"ደቀ መዝሙሩ ኸይዶም፡ ከም’ቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣድግን ዒሉን ኣምጽኡሉ፡ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፡ ንሱ ኸኣ ተወጥሐ።" ማቴ 21፡6,7
"ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ’ዩ’ምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን። ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እና’ፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮ’ውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና። ምእዛዝኩም ምስ ተፈጸመ’ውን፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ዅሉ ኽንቀጾዖ ተዳሊና ኣለና።" 2ቈረ 10፡4-6
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻምናይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ’ዚ ናብ ምዝዛሙ ቐሪብና ዘለና ዓብይ ጾም’ዩ። በዓለ ሆሳእና ድማ’ዩ። እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ርሑስን ዝተባረኸን በዓል ይግበረልና። ዕለተ ሆሳእና፡ ጐይታና ብደረጃ ህዝቢ ኽብሪ ዝረኸበላ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን እንኮ መዓልቲ’ያ። እቲ ህዝቢ ፈትዩን ኣስተውዒሉን ዝገበሮ ኽብሪ ኣይነበረን። ትንቢት ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብደራኽነትን ኣተግባርነትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ዝተዋደደ በዓል’ዩ። ከምኡ ዜብለና ምኽንያት ድማ፡ እቲ "ሆሳእና ንወዲ ዳዊት" ኪብልን ብድምጹ ኸተማ ኼናውጽን ዝወዓለ ህዝቢ፡ ራብዕቲ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ "ስቐሎ፡ ንየው በሎ" ኺብል ምውዓሉ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ንጉሥ ክብሪ ኸም ዚረክብ፡ ብገላጽነት መንፈስ ቅዱስ ቅዱሳን ነብያት ተዛሪቦም ነበሩ (ዘካ 9፡9፣መዝ 118፡24-26)። "ሆሳእና" ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ቓል ኰይኑ፡ ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም፡ "ኣድሕን ኰታ" ማለት’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ንኢየሩሳሌም ዘነቓነቐ መዝሙር፡ ምሕጽንታዊ’ምበር፡ ጽንብላዊ ኣይነበረን። "ኣድሕነና" ኢሉ ዚልምን፡ እቲ ኣብ ጥፍኣትን ኣብ ጸበባን ዘሎ’ምበር፡ ኣብ ራህዋን ኣብ ጽንብልን ዘሎ ህዝቢ ኣይኰነን። እቲ ሽዑ ዚዝምረሉ ዝነበረ ህዝቢ፡ ካብ ኣምላኽ ኣርሒቑ ዝዀብለለ፡ ጥፉእ ህዝቢ ምዃኑ ዘይፈልጥ፡ ሃለዋቱ ዘይርድኦ፡ ዜሕዝን ህዝቢ ነበረ። ነቶም ብጭድርታ ዚዝምሩ፡ "ካብ ምንታይ ኬድሕነኩም ኢኹም፡ “ኣድሕን ኰታ” ትብልዎ ዘለኹም፧" ኢልካ እንተ ዚሕተቱ፡ ዳርጋ ዅሎም መልሲ ኸም ዘይነበሮም ርዱእ’ዩ። ምናልባት ገሊኦም "ካብ ሮማውያን ገዛእትና" ኢሎም ምመለሱ ይዀኑ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ሃለዋት ናይ’ቲ ህዝቢ ቕኑዕ ስምዒት ዘንጸባረቐ ግና፡ እቲ ኣምላኽ-ድሕነትን ንጉሥ-ጽድቅን ዝዀነ ጐይታና ጥራሕ’ዩ። እታ ኸተማ ብምልእታ ብመዝሙር ክትጭድረሉ ኸላ፡ ንሱ ኸኣ ንበይኑ የልቅሰላ ነበረ (ማቴ 20፡28፣ሮሜ 8፡2፣ኤፌ 5፡2፣ሮሜ 3፡24፣4፡25፣ገላ 1፡4)። ናብ’ቲ ናቱ ስምዒት ኣትዮም፡ ካብ’ቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ጥፍኣት ኬድሕኖም ንርእሶም እና’ልቀሱላ፡ "ኣድሕነና ዀታ" እንተ ዚብሉ ነይሮም ግን፡ ነቲ ድሕነት ኣይምሰኣንዎን፡ ንጊዜ ምሕረቶም ድማ ኣይምኸሰርዎን ነይሮም።
እምበኣር ንሕና’ውን በቲ ጌጋኦም ለቢምና ኻብ’ቲ ናቶም ዚሓይሽ ክንገብር፡ እዚ በዓለ ሆሳእና ይብድሃና ኣሎ። ነቲ በዓል ቀረባ፡ ነቲ ድሕነት ግን ርሑቓት ኴንና ኸይንህልው ርእስና ኽንምርምረሉ ዝተሰርዓልና በዓልን ዘመንን’ዩ። ዚስዕብ ዘሎ ሰሙን "ሰሙነ ሕማማት" (ወይ ዘመነ ሕማማት)’ዩ ዚብሃል። ጐይታና ምእንታና ብዛዕባ ዝተቐበሎ ስቓይ ’ነስተንትነሉ ሰሙን’ዩ። ነቲ "ኣድሕን ኰታ" ዚብል ምሕጽንታ፡ ጐይታና ኸይደንጐየ ብኡንብኡ’ዩ መሊስዎ። ብደሙን ሞቱን ብትንሳኤኡን ስለ ዜድሕነና፡ ባዕሉ ፈትዩ መስዋእቲ ሓጢኣትና ንምዃን ርእሱ ወፈየ (ኤር7፡8-11)። ስለ’ዚ ዕለተ ሆሳእናን ዕለተ ስቕለትን ብወዝቢ ዝተጋጠመ ዘይኰነስ፡ በእምሮ መለኮት ዝተወሃሃደ መስተንክር ምኽሪ’ዩ። ስቕለት ጐይታና፡ መልሲ ናይ ሆሳእና’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ "ሆሳእና፡ ናይ ስቕለቱ ጽንብል’ዩ" ኺብሃል ይክኣል’ዩ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኪብሃል ይግባእ’ዩ። ኣይሁድ ብዛዕባ ድሕነቶም ብዓውታ ዘሚሮምን ለሚኖምን ኬብቅዑ፡ ነቲ መድሓንን ነቲ ንሱ ዚህቦ ድሕነትን ግን፡ "ንየው በሎ" ኢሎም ነጸግዎ። ንሕና ኸኣ ክርስትያን ህዝቢ፡ ንክርስቶስ ዝተቐበለን ዝኣመነን ህዝቢ ኽነስና፡ ኣብ’ቲ ግብራዊ ናብራና ግን፡ ካብ ድሕነት ርሒቕና ኸይንህልው፡ ብዛዕባ ርእስና ኽንፈርህ የድልየና። ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ ህዝቢ ኣይሁድ፦
"እንሆ፡ ንስኻትኩም ኣብ ዘይጠቅም ቃላት ሓሶት ትውከሉ ኣለኹም። ኣየ ንስኻትኩም፡ ትሰርቁ፡ ትቐትሉ፡ ትዝምዉ፡ ብሓሶት ትምሕሉ፡ ንበዓል ትዓጥኑ፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ’ውን ትስዕቡ። ናብ’ዚ መጺእኩም ከኣ፡ ኣብ’ዛ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት ኣብ ቅድመይ ቌምኩም፡ ኵሉ’ዚ ፍንፋን ግብሪ’ዚ ምእንቲ ኽትገብሩ፡ “ድሑናት ኢና፡” ትብሉ ኣለኹም። እዛ ብስመይ ዝተሰምየት ቤትዶ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም በዓቲ ጐሓሉት ኰነት፧ እንሆ፡ ኣነ ባዕለይ ርእየዮ’የ፡ ይብል እግዚኣብሄር።" ዝበሎ ቓል፡ ወርትግ ንዘክር (ኤር7፡8-11)። እዚ ቓል ትንቢት’ዚ ኣብ መዓልቲ ሆሳእና’ዩ ፍጻመኡ ዝተጋህደ። ንሳቶም እናዘመሩ፡ ጐይታ ግና እና’ልቀሰ ናብ ቤት መቕደስ ምስ በጽሑ፡ ኣብኡ ዝጸንሖ ጕሕለትን ርኽሰትን ብቝጥዓ ኸም ዚቃጸል ገበሮ። ብዘይ ዝዀነ ሓጋዚ ድማ፡ ነቲ መቕደስ ንበይኑ ዀይኑ ኣጽረዮ። እዚ ተግባሩ’ዚ፡ ናይ’ቲ እና’ልቀሰ ዝተዛረቦ ፍርዳዊ ትንቢት ንእሽቶ ነጸብራቕ’ዩ ዝነበረ። ከም’ቲ ዝበሎ ድማ፡ እቲ ፍርዲ ኣብ 70 ዓ.ም ብግብሪ ተፈጸመ። እቲ ህዝብን እታ ኸተማን እቲ ቤት መቕደስን ብሓንሳእ ፈረሰን ተደምሰሰን።
ቅዱስ ያሬድ ንዕለተ ሆሳእና ዘዳለዎ መዝሙር "ወእንዘ ሰሙን" ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ትርጉም ትሕዝቶኡ ድማ፡- “ንፋሲካ ሰሙን ምስ ተረፎ፡ ደቀ መዝሙሩ ንኣምላኽ-ጽድቂ ኣብ ቍልቍል ደብረ ዘይቲ ናብ ሃገር እግዚኣብሄር (ናብ ኢየሩሳሌም) ቀረቡ። ብዙሕ ህዝቢ ዓበይትን ሕጻናትን ጨንፈር ስየ ሒዞም "ሆሳእና ኣብ ኣርያም" ብምባል ተቐበልዎ። ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ምድሪ ኢየሩሳሌም ኣተወ። ብሓጐስን ፍስሃን፡ ሓይልን ሥልጣንን ሃቦም። ብሓጐስን ሰላምን ናብ ምድሪ ኢየሩሳሌም ኣተወ።
እቶም ህዝቢ ነሓድሕዶም "እቲ ንጉሥ ክብሪ ኣበይ ኣሎ፡" ተበሃሃሉ። እቲ ብሓጐስን ብሰላምን ናብ ምድሪ ኢየሩሳሌም ዝኣተወ “ንሱ ጐይታ ሰንበት’ዩ”።”
ማለት’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ፡ ኣብ’ቲ ናይ ማቴ 21፡1-17 ፣ ማር 11፡1-11,15 ፣ ሉቃ 19፡19-28 ንባባት ከምኡ’ውን መዝ 24፡7-10 መሰረት ገይሩ ዝተደርሰ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ቲ ናይ ማቴ 21፡1-17 ናይ ቅድመ-ቕዳሴ ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ተኣዝዞን ሆሳእናን ብኸመይ’ዮም ዚዛመዱ፧ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ኣብ’ቲ ጽንብላዊ ገጽ ናይ’ቲ በዓል ኣድሂብና እንተ ንምሃርዶ ኣይምሓሸን፧ ብመሰረቱ ጽንብል ናይ በዓለ ሆሳእና፡ ብተኣዝዞ’ዩ ዝጀመረ። ብምሉኡ መስርሕ ናይ’ቲ በዓል’ውን ብተኣዝዞ ዝተገብረ’ዩ። ጐይታና በዓለ ፋሲካ ኼብዕል ካብ ምድሪ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም መጸ። ጥቓ ደብረ ዘይቲ ዚርከባ ቢታንያን ቤት-ፋጌን ዚብሃላ ኽልተ ዓድታት ነበራ። ናብኣተን ምስ ቀረቡ ኽልተ ኻብ ደቀ መዝሙሩ ሓርዩ፡ ናብ’ተን ዓድታት ለኣኾም። ኣብ መገዲ፡ ኣድጊ ምስ ጻዕብ ዒሉ ኸም ’ትጸንሖም ብርጉጽነት ድሕሪ ምግላጹ፡ ንዝዀነ ሰብ ከይሓተቱ ፈቲሖም ኬምጽእወን ለኣኾም። ናይ እንዳማትካ (ዘይናትካ) ንብረት ወይ ጥሪት፡ ከየፍቀድካ ብኢደ-ወነንካ ኣልዒልካ ምኻድ፡ ብሕጊ ዜሕትት ገበናዊ ተግባር’ዩ። ስርዓትን ሕግን ናይ’ቶም ዚገዝእዎም ዝነበሩ ሮማውያን ድማ ኣዝዩ ጽኑዕ’ዩ ዝነበረ። ሎሚ ኣብ ዘመንና፡ "ኣብ ጎደና ‘እከለ’ ከም’ዚ ዝዓይነታ መኪና ወይ ብሽግለታ ኣላ’ሞ ኬድካ ኣምጽኣለይ" ዚብለና እንተ ንረክብ፡ እንታይ ዓይነት ሕቶታት ከም ’ነልዕልን፡ እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ ከም ’ንህብን ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ኢና። እቶም ዝተላእኩ ኽልተ ደቀ መዝሙር፡ ከማና ሰባት ስለ ዝዀኑ፡ ልክዕ ከም ናትና ተመሳሳሊ ሕቶን ስግኣትን ከም ዚልዓሎም፡ ፈጺሙ ዘየጠራጥር’ዩ። ዝዀነ ሓታቲ እንተ’ጋጠሞም፡ እንታይ ኢሎም ከም ዚምልሱ ነጊርዎም’ኳ እንተ ዀነ፡ ዜተኣማምንን ዘይጥሪትክስ ፈቲሕካ ኽትወስድ ዚድፍር ግና ኣይኰነን። ምኽንያቱ እቲ ብዓል ጥሪት እንታይ ዓይነት ሃንደበታዊ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ኪግምትዎ’ውን ኣይክእሉን’ዮም። ዘይደቂ ዓዲ፡ ዘይፈልጥዎም ሰባት፡ ጥሪቶም ኪወስዱሎም ኢድ ብኢድ ምስ ረኽብዎም፡ ዘየላብው መጥቃዕቲ ኼውርዱሎም ይኽእሉ’ዮም። እቲ መልእኽቲ "ናብ ቢታንያ ወይ ቤት ፋጌ ኣቲኹም ናብ እንዳ እከለ ኺዱ’ሞ ‘ጐይታ ኣድጊ ልኣኸለይ’ ይብለካ ኣሎ በልዎ" እንተ ዚኸውን፡ ንኽትእዘዞ ኣዝዩ ምቐለለ ነይሩ። እቶም ክልተ ደቂ መዝሙር ግን፡ ንመንነት ናይ’ቲ ለኣኺኦም ጐይታ’ምበር፡ ንዓይነት ናይ’ቲ ዝተዋህቦም ትእዛዛትን ኬጋጥሞም ብዛዕባ ዚኽእል ብድሆታት ኪሓስቡ ኸይመረጹ፡ ከም’ቲ ጐይታ ዝኣዘዞም ገበሩ። ከም’ቲ ዝበሎም ነተን ኣእዱግ ረኸብወን። ከም’ቲ ዝበሎም ከኣ፡ እቶም ዋናታት ሓተትዎም። ነቲ ዝቐረበሎም ሕቶ ድማ፡ ከምታ ዝበሎም ገይሮም መለሱ።
እቶም ዋናታት ናይ’ተን ኣእዱግ ዘርኣይዎ እምነትን ምእዛዝን’ውን ቀሊል ኣይኰነን። "ጐይታ ይደልዮም ኣሎ" ስለ ዝበልዎም ጥራሕ፡ ንዘይፈልጥዎም ሰባት ጥሪቶም ኣሕሊፎም ምሃቦም፡ ዓብይ ግብሪ ተኣዝዞ’ዩ። ዘይደቀ መዝሙሩን መታለልትን እንተ ዀኑኸ ዚብል ጥርጠራ ካብ ምእዛዝ ኪዕንቅፎም ምኸኣለ ነይሩ። "ኣበይ ኣሎ፧ ባዕሉኸ ዘይመጽእ፧ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና" ኪብሉ ምኸኣሉ ነይሮም። ስም ናይ’ዚ ዜፍቅርዎን ዚኣምንዎ ጐይታ ምስ ሰምዑ ግን፡ ምእዛዝ ጥራሕ መረጹ።
ሆሳእና ዚብሃል በዓልን ስርዓትን፡ ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ኣይነበረን። ጐይታ ድማ፡ "ኣድጊ ኣምጽኡለይ’ሞ፡ ክዳውንትኹምን ስየን ኣንጺፍኩም፡ እናዘመርኩም ብንጉሳዊ ኽብሪ ብዓጀብ ናብ ኢየሩሳሌም ኣእትዉኒ" ዚብል ትእዛዝን መምርሕን ኣይሃበን። እታ ኣድጊ ምስ መጸት ግን፡ ክዳውንቶም ጠይቂ ገበሩሉ’ሞ ኣብ’ታ ኣድጊ ኣወጢሖም፡ ክዳውንቶም ኣብ’ቲ ዶራን ምድሪ ኣንጺፎም፡ ጨንፈር ስየ ሰሰሊዖም ኣብ ምድሪ እናነስነሱ፡ ብዓውታ ኺጭድሩን ኪዝምሩን ጀመሩ። ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ህዝቢ እናዓጀቦም ድማ ንኸተማ ኢየሩሳሌም ብዜናውጽን ዜናዕብን ድምጽን ስምዒትን ኣኽበርዎ። ነዚ ሃንደበታዊ ተርእዮ’ዚ መን ኣዘዞ መን ወደቦ፡ መንከ መርሖ፧ እዚ ተግባሮም’ዚ ብዓይኒ ሮማውያን ገዛእቶም ከም ህዝባዊ ናዕብን ተቓውሞን ተራእዩ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኺጥቃዕን ከቢድ ሳዕቤን ኬውርድ ዚኽእልን’ዩ። እቶም ደቀ መዝሙሩን እቲ ህዝብን ግን፡ ብዛዕባ’ዚ ተኽእሎ’ዚ ኣይተጨነቑን፡ እቶም እምበራጦርያውያን ገዛእቶም’ውን ዝዀነ ነገር ኣይገበሩን። እዚ ንጉሳዊ ዓጀብ’ዚ ንናይ ዘካ 9፡9 ፍጻመ ትንቢት ኪኸውን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተበገሰን ዝተወደበን ዝተመርሐን’ዩ (ማቴ 21፡4,5)። ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቦም ዝፈጠሮ ምልዕዓል ስለ ዝተኣዘዙ፡ ንግስነት ክርስቶስን ፍጻመ ትንቢትን ኣግሃዱን ኣድመቑን። ሆሳእና፡ ደረት ናይ ዘይብሉ ፍጹም ተኣዝዞ በዓል’ዩ።
ተኣዝዞ ግን ስለምንታይ’ዩ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ዚኸውን፧ ተኣዝዞ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ እቲ ቕድሚ ዅሉን ልዕሊ ዅሉን ዚስራዕ መንፈሳዊ ባህርይ’ዩ። ናይ መንፈሳዊ ህይወት ሕመረት ድማ’ዩ። ኣብ ምእዛዝ ዘየለ፡ ኣብ እምነት ይኹን ኣብ ህይወት የለን። ጐይታና፡ ድሕሪ’ቲ ናይ ሆሳእና ኽብረቱን ንቤት መቕደስ ናይ ምጽራይ ዕዮኡን፡ ኣብ ቢታንያ ትበሃል ዓዲ ሓዲሩ ናብ ቤት መቕደስ ኪምለስ ከሎ ጥምየት ተሰምዖ’ም፡ ናብ ሓንቲ ልምዕትን ቈጻልን ኦም በለስ ኣላገሰ። ንጥምየቱ ዜዐንግለሉ ፍረ ኺረኽበላ ደለየ። እንተ ዀነ፡ ሓንቲ’ኳ ኣይረኸበላን። እምብዛ ቘጻል ካብ ምንባራ ዝተላዕለ ግን፡ ንናይ ብዙሓት ሰባት ከስዐ ኸተዐንግል ትጽቢት ዚግበረላ ኦም ነበረት። ሓንቲ ፍረ’ኳ ስለ ዘይተረኽባ ግን፡ ጐይታ፡ "ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረይ" ኢሉ ረገማ’ሞ ብኡንብኡ ነቐጸት (ማቴ 21፡18-20)። እዚ ፍጻመ’ጺ ንዅነታት ኢየሩሳሌምን ህዝባን ዚገልጽ ግብራዊ ትእምርቲ’ምበር፡ ካልእ ኣይኰነን። ህዝቢ ኢየሩሳሌምን እስራኤልን ልክዕ ከም’ዛ ኦም በለስ ነበሩ። ናይ ኣምላኽ ህዝቢ ብዜምስሎም ስርዓትን ኣምልኾን ዘቝጸልጸሉ ህዝቢ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ንኣምላኽ ዜዕግብ ዋላ ሓንቲ ፍረ ወይ ምእዛዝ ግን ኣይነበሮምን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ብኽፉእ ፍረ ዝተመልኡ ነበሩ። ስለ’ዚ ድማ ከም’ቲ ኣብ ማቴ 23፡27-39፣ሉቃ 19፡41-44 ተገሊጹ ዘሎ፡ ብዛዕባ’ቲ ዚጽበዮም ዝነበረ መሪር ፍርድን ዜሰክሕ መጻእን ኣልቀስሎም። እቲ ሽዑ ዚግበረሉ ዝነበረ ውዕዉዕ ኣቀባብላን ንጉሳዊ ኽብርን፡ ነቲ ዚስምዖ ዝነበረ ዓሚቝ ሓዘን ኪእብዶን ኪድብሶን ኣይከኣለን። ተኣዝዞ ዘየፍርይ መንፈሳውነት፡ ኣብ ኣምላኽ ዜውርዶ ጓሂ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ዜግህደልና ፍጻመ ድማ’ዩ።
ጐይታ ግን ብእኡ ጥራሕ ኣየብቅዐን። ነቶም ዚተሃላለኽዎ ዝነበሩ ፈሪሳውያን፡ ኽልተ ኸበድቲ ምስላታት መሰለሎም። ኣብ’ታ "ምስላ ኽልተ ኣሕዋት"፡ እቲ ቐዳማይ ውሉድ መጀመርታ "እምቢ" ኢሉ’ኳ እንተ መለሰ፡ ደሓር ግን ተጣዒሱ ናብ ምእዛዝ ተመልሰ። እዚ ውሉድ’ዚ ናይ’ቶም መጀመርታ ኣብዮም ብኣምልኾ ጣኦት ዝበደሉ፡ ደሓር ግን ብእምነት ክርስቶስ ዝተኣዘዙ ኣህዛብ ተምሳል’ዩ። እቲ ኻልኣይ ውላድ ግን፡ መጀመርታ "ሕራይ" ዚብል ናይ እዙዛት መልሲ ሂቡ ኼብቅዕ፡ ደሓር ግን ብእምቢታ ኸይወፈረ ዝተረፈ’ዩ። እዚ ጠባሪ ውሉድ’ዚ ድማ፡ ናይ ህዝቢ እስራኤል ተምሳል ነበረ። "ሕራይ" ኢልካ ነታ እምነት ተቐቢልካያ ኸተብቅዕ፡ ብግብሪ ግን ዘይትእዘዛ ምዃን፡ ኣዝዩ ኽፉእን ግብዝን ባህርይ’ዩ።
ቤት እስራኤል ግን፡ ካብ ዘይምእዛዝ ንላዕሊ ሓሊፎም፡ ዝገደደ’ዮም ገይሮም። ኣብ’ቲ "ምስላ ሓረስቶት ኣታኽልቲ ወይኒ" ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ "ፍረ ሃቡኒ፡ ተኣዘዙኒ" ኢሉ ነቶም ቀዳሞት ልኡኻት ዝዀኑ ነብያት ምስ ለኣኸሎም ብጭካነ ጨፍጪፎም ቀተልዎም። ነቲ ኻብ ነብያት ዚዓብይ ሓደ ወዱ እንተ ለኣኸሎም ድማ ሰቒሎም ቀተልዎ። ብዜቝጸልጽል ድሙቕ ኣቀባብላ "ሕራይ" ኢሎም ተቐቢሎምዎ ኼብቅዑ፡ ራብዕቲ ኣብ ዘይመልኦ ጊዜ ግን፡ ንሮማውያን ኣህዛብ ኣሕሊፎም ብምሃብ፡ "ንየው በሎ፡ ስቐሎ" እናበሉ፡ ካብ ናይ ኵሎም ልኡኻት ነብያት ብዚኸፍእ ኣገባብ ቀተልዎ። ንምእዛዝ ከም ነውርን ስንፍናን ዚርእይ ሰብ፡ ኪገብሮ ዘይክእል ክፉእ ግብሪ የልቦን። ሆሳእና፡ ኣገዳስነትን ረብሓን ናይ ተኣዝዞ ኼድምቕ ዝተሰርዐ በዓል ምዃኑ፡ ብዘየማትእ መገዲ ኸነስተውዕል ይግብኣና’ዩ።
ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገድሲ ባህርይ ክነሱ፡ ንምእዛዝ ከይንመርጾን ክንጽየፎን ዚገብረና ደኣ እንታይ’ዩ፧ ኵሉ ናይ ሰብ ነገር፡ ኣብ ኣእምሮ ወይ ኣብ ልቢ’ዩ ዚውዳእ። ምሉእ ኣእምሮናን ኣድህቦናን ንዝሃብናዮ ኢና፡ ብዅለንትናና ኽንስዕቦን ክንግዝኦን ’ንኽእል። እግዚኣብሄር ብዛዕባ’ቲ ምእዛዝ ዝተጸየፈ ህዝቢ እስራኤል ብተደጋጋሚ ዚዛረቦ ሓቂ ኣሎ።
"እዚ ህዝቢ’ዚ ብኣፉ የምልኸኒ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ’ዩ። ንኣይ ከኣ በቲ ዝተማህርዎ ባህሊ ሰብ ገይሮም (የምልኹኒ ኣለው)።" ኢሳ 29፡13ካ.ት
"ኣታ ወዲ ሰብ፡ ደቂ ህዝብኻ. . . “እስኪ ንዑናይ ካብ እግዚኣብሄር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ንስማዕ” ይብሃሃሉ ኣለዉ። ከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ናባኻ ይመጹ፡ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ። ቃላትካ’ውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎን’ዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለው፡ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም’ዩ ዚኸይድ።" ህዝ 33፡30-32
እዚ ናይ ነብዪ ህዝቅኤል ቃል ኣነጺርዎ ኸም ዘሎ፡ ሰሚዕካ ኸይትእዘዝ ዚገብር ዕንቅፋት፡ ንእግዚኣብሄር ብልብኻ ዘይምስዓብ’ዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ልቢ’ዩ ዚደልይ’ምበር፡ ብኣፍን ብኸንፈርን ብቓላትን ጥራሕ ዚጥበር ኣምላኽ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኸኣ"ልብኻ ሃበኒ" እናበለ’ዩ ዚሓትት ( ምሳ 23፡26፣ኤር 30፡21)። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ብተኣዝዞ ዕዉታት ዚገብረና ምስጢር እንታይ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።
"ኣጽዋር ውግእና ጽኑዕ ዕርድታት (ዜፍርስ) ብርቱዕ (መለኮታዊ ሓይሊ)’ዩ’ምበር፡ ስጋዊ (ኣጽዋር) ኸኣ ንሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕሎ ዝበለ ነገር ኵሉን እና’ፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮ’ውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና። ምእዛዝኩም ምስ ተፈጸመ (ፍጹም ምስ ኰነ)’ውን፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ዅሉ ክንቀጽዖ ተዳሊና ኣለና።" 2ቈረ 10፡4-6
ቅዱስ ወንጌል ዚማርኾ፡ ነእምሮና ወይ ንልብና’ምበር፡ ንኣፍና ኣይኰነን። ኪማርኽ ከሎ ድማ፡ ንምእዛዝ’ዩ ዚማርኽ። ስለ’ዚ እቲ ኣብ ምእዛዝ ዘየለ፡ ኣብ ወንጌል የለን። ንወንጌል፡ ባህሊ ሰብ ከም ዝዀነ ገይሩ፡ ብናይ ባህሊ ሰብ ኣገባብ ገይሩ ዝተማህሮ ሰብ፡ ኣእምሮኡ ኣይማረኽን’ዩ፡ ጥር ’ትብል ናይ ምእዛዝ ፍረ ድማ ኣይትርከቦን’ያ። ስለ’ዚ ኸም’ታ ኦም በለስ፡ ኵሉ ጊዜ ናብራኡ ጥቓ መርገም’ዩ ዚኸውን። ህይወቱ ድማ፡ ኣምልኾ ብዘይ ተኣዝዞ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። ከም’ዚ ዝበለ ከንቱ ኣምልኾ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር እቲ ዝኸፍአን ዜፈንፍንን ጽያፍ’ዩ። ንዘይተማረኸ ኣእምሮ፡ይትረፍ እግዚኣብሄር፡ ሰብ’ውን ኪስሕቶ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ናብራ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ባህልና፡ "ንሳ ምሳይ፡ ልባ ምስ ደበሳይ" ዝዓይነቱ ናብራ-ኣመንዝራ’ዩ ዚኸውን። ንዘይምእዛዝ ዝኸፍአ ሓጢኣት ዚገብሮ ድማ፡ ናይ መንፈሳዊ ምንዝርና መርኣያ ስለ ዝዀነ’ዩ።
ብምእዛዝ ክንዕወት ዜኽእሉና፡ ኣየኖት ደረኽቲ ባህርያት’ዮም፧ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ፈጺምና ኽንስሕቶ ዘይግብኣና መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ። ዕዉት ህይወት፡ ብግቡእ ናይ ዝተወሃሃዱ ባህርያት ድምር’ምበር፡ ናይ ንጽል ባህርይ ውጽኢት ኣይኰነን። ተኣዝዞ ንርእሱ ባህርይ ክነሱ፡ ምስ ካልኦት ባህርያት ተመላሊኡ ዚሰርሕን ዚግሃድን ባህርይ’ዩ። ንዅሉ’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንገለ ሒደት ግን ንርኣዮም ደኣ።
1. ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን፦ ፍቕሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ምእዛዝ ኪህልው ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ቅዱስ ወንጌል ንፍቕሪ፡ “መደምደምታ (መፈጸምታ) ናይ ኵሉ ሕጊ’ያ” ዝበላ (ሮሜ 13፡14)። ጐይታ’ውን ኵሉ ኦሪትን ነብያትን ኣብ ፍቕሪ ኸም ዚጥቕለል፡ ብፍቕሪ ኸም ዚፍጸም ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 22፡34-40)። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቈረ 13፡4-7 ፍቕሪ ንዅሉ’ቲ ትእዛዛት ኣብ ምፍጻም ብኸመይ ከም ’ተኽእለና ብስእላዊ መገዲ ኣርእዩና ኣሎ። ጐይታና’ውን፦
"ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ ቃለይ ይሕልው’ዩ፧ እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን’ዩ።. . . እቲ ትእዛዘተይ ዘለዎ’ሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ’ዩ ዜፍቅረኒ . . .። "
ብምባል ፍቕርና ብምእዛዝ ጥራሕ ክንገልጾ ኸም ’ንኽእል ኣነጺሩልና ኣሎ (ዮሃ 14፡ 21-24)። ቅዱስ ዮሃንስ’ውን ኣብ መልእኽቱ፦
"ንሕና ትእዛዝቱ እንተ ሓለና፡ (ንኣምላኽ) ከም ’ንፈልጦ፡ በዚ ኢና ’ንፈልጥ። "ኣነ እፈልጦ’የ" ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ’ዩ እታ ሓቂ’ውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕልው ግና፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም፡ ኣብኡ ኸም ዘለና፡ በዚ ኢና ’ንፈልጥ . . . ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕልው’ዩ’ሞ፡ ትእዛዛቱ’ውን ኣይከቢድን’ዩ።" ብምባል ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ ዘለዋ ግደ ኣርእዩና ኣሎ (1ዮሃ 2፡3-5፣5፡3)። ፍቕሪ ንኣምላኽ ድማ ብፍቕሪ ብጻይ ከም ’ትግለጽ ኪዝንጋዕ ኣይግብኦን’ዩ።
"10 ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ’ዮም ዚግለጹ። 11ንሓድሕድና ክንፋቐር፡ እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ’ያ። 23ከምቲ ንሱ ዝሃበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድና’ውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ’ዚ’ዩ። 24እቲ ትእዛዛቱ ዚሕልው ድማ (ኣብ ኣምላኽ) ይነብር፡ (ኣምላኽ’ውን) ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።" 1ዮሃ 3፡10,11,23,24
"7ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ’ያ’ሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልደ’ዩ፡ ንኣምላኽ’ውን ይፈልጦ’ዩ። 8ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ’ሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን’ዩ። . . . 12 ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩ’ውን ኣባና ትፍጸም። . . . 16 ንሕና’ውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ይነብር። . . . 20ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረአዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከአሎን’ዩ’ሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ "ንኣምላኽ አፍቅሮ’የ፡" ዚብል እንተ’ሎ፡ ንሱ ሓሳዊ’ዩ። 21እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ፡ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ’ዩ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ።" ዮሃ4፡7,8,12,16,20,21
"1ንኢየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልደ’ዩ፡ ንወላዲ ዜፍቅሮ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ ዝተወልደ’ውን የፍቅሮ’ዩ። 2ንኣምላኽ ምስ ’ነፍቅሮ ትእዛዛቱ’ውን ምስ ’ንሕሉ፡ ነቶም ውሉድ ኣምላኽ ከም ’ነፍቅሮም፡ በዚ ኢና ’ንፈልጥ።" 1ዮሃ5፡1,2
2. ትሕትና፦ ምእዛዝ፡ ፍረ ትሕትና’ዩ። "ድቑስ ልብን ስቡር መንፈስን" ዚብል ቃል፡ ንትሕትና ዜመልክት’ዩ (መዝ 34፡18፣5፡16,17፣57፡15፣66፡1,2)። ትሕትና ድማ ንርእስኻ ዜኽሕድን ዜንዕቕን፡ ንኣምላኽን ንሰባትን ድማ ካብ ገዛእ ርእስኻ ኣብሊጹ ዜርእይን ብግብሪ ዜኽብርን ልዑል መንፈሳዊ ባህርይ’ዩ። ትሕትና፡ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ጐይታና "ኣነ ለዋህ’የ፡ ልበይ’ውን ትሑት’ዩ" ኢሉ ኣረጋገጸልና (ማቴ 11፡29,30)። ትሑት ስለ ዝዀነ’ዩ ስጋ ኺለብስን ሓጢኣት ኵሉ ሰብ ተሰኪሙ ብሞት መስቀል በጃና ኺስዋእን ፍቓደኛ ዝዀነ (ፊል 2፡6-8)። ትሑት ስለ ዝዀነ፡ ብዅለንትናኡ ማዕረ ኣቦኡ ኽነሱ ንፍቓድ ኣቦኡ ተገዝአ፡ ነቲ ኺገብሮ ዝሃቦ ዅሉ ግብሪ ፈጺሙን ተኣዚዙን ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣኽበሮ (ዮሃ 6፡38፣17፡4፣ፊል 2፡8፣እብ 5፡8)። ንሕና’ውን ነዛ ናይ ጐይታና ትሕትና እንተ ዘይለበስናያን እንተ ዘይወረስናያን ንኣምላኽና ብተኣዝዞ ኸነኽብሮ ኣይክኣልን’ዩ። ትሑት ሰብ፡ ንኣምላኽ ብሓጐስ’ዩ ዚግዝኦ። ትዕቢተኛ ግን ብኣንጻሩ ንኣምላኽ ኪገዝኦን ኣገልጋሊ ናይ ፍቓድ ስጋኡ ኺገብሮን’ዩ ዚደልይ። እቲ ብትዕቢት ዝወደቐ ድያብሎስ፡ ነቲ ዝፈጠሮ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ፡ "ፍግም ኢልካ ስገደለይ" ኢሉ ኸም ዝፈተኖ ኣይንረስዕ (ማቴ 4፡8-10)። ትዕቢተኛታት ድማ ደቂ ድያብሎስ ስለ ዝዀኑ፡ ነታ ናይ ኣቦኦም ትምኒት ኪገብሩ’ዮም ዚደልዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፦
"ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም" ዝተባህለልና (ምሳ 3፡34፣ያእ 4፡6፣1ጴጥ 5፡5)። ትሑታት ይትረፍ ንኣምላኽ ንሰብ ኪግዝኡ’ውን ሓጐሶም’ዩ። እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ፍረ ናይ ትሕትና ድማ፡ ምሉእ ምእዛዝ’ዩ።
በዓለ ሆሳእና ናይ ምእዛዝ በዓል ካብ ኰነ ’ምበኣር፡ በዚ ቕዱስ ባህርይ’ዚ ተሰሊምና፡ ኣብ ዓይኒ’ቲ ትሕትና ዜኽብር ኣምላኽ ማዕሪግናን ከቢርናን ምህላውና ነረጋግጽ። ንኣርኣያ ናይ’ቲ ትዕቢተኛን ዓለወኛን ድያብሎስ ኣዚና ንጸየፎ። ብኣንጻሩ፡ ንኣርኣያ ናይ’ቲ ንጉስ ትሕትናን ንጉስ ተኣዝዞን ዝዀነ ኢየሱስ ድማ ኣዚና ነፍቅሮ፡ ብግብሪ ድማ ንስዓቦ። ኣእምሮና ብክርስቶስ ከም ዝተማረኸን ሃብቲ ኣእምሮና ሓሳብ ክርስቶስ ምዃኑን ብምልኣት ነረጋግጽ። ንሆሳእና ብመዝሙርናን እልልታናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ልዕሊ ዅሉ ብተኣዝዞና ብግብሪ ነብዕሎ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
5 ሚያዝያ 2026 | መጋቢት 27, 2018 ግዕዝ (መበል 30 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፮-፳፯ "ቡሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር። ባርክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር። እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ።" "እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ’ዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| እብ 9፡11-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 4፡1-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 28፡17-23 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ዮሃ 5፡15-29 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘጎርጎርዮስ | መዝሙር፦ ባረኮ ያዕቆብ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ