ሰላም ንበል ብዘይ ሓደ ንሕስያ፡
ዓው ኢልና ብፍቕሪ ንስመያ፡
ስማ ጥዕምቲ ኣምላኽ ዝሓረያ፡
ቅድስቲ መንፈስ ኩሉ ሰብ ዝደለያ፡
ሽማግለ ኣቦታት ኣደታት ዝዓበያ፡
ናአሽቱ መንአሰያት ኩሉ ዘናድያ፡
ካባና ሪሒቃ ከይትተርፍ ተፈልያ፡
ኣብ ጉሓፍ ከይትስንዶ ከይትርሳዕ ተደርቢያ፡
ህዝቢ ንግበረላ ሓቑፉ ዝናብያ፡
ሰላም መኽሰብ እምበር የብላን ክሳራ፡
ሰላም ኢልና ንዘምር ኩላህና ብሓበራ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ