S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ን’ትጸልኣኩም ኣይተፍቅሩ!!ቊ.46 (14 ሰነ 2026 ፈ | ሰነ 7, 2018 ግዕዝ)

"ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ቅድመኹም ንኣይ ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ከም ናታ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ኻብ ዓለም ሓረኹኹም’ምበር፡ ንስኻትኩም ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለ’ዚ ኸኣ’ያ ዓለም ትጸልኣኩም ዘላ። . . . ኣቱም ከሓድቲ፡ ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝዀነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እቲ (ፈታው) ዓለም ኪኸውን ዚደልይ ሰብ፡ ጸላእ ኣምላኽ ይኸውን።" ዮሃ15፡18,19 ካ.ት ፣ ያእ 4፡3,4 ካ.ት

 

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ዓስራይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ፡ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ዕርገት፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ሓዋርያት’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር ድማ፡ "ዓርገ እግዚአብሔር በይባቤ" (እግዚአብሔር ብእልልታ ዓረገ) ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦  “እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ። ብእልልታን ብደሃይ መለኸትን ዓረገ። ኣብ የማን ኣቦኡ ድማ ተቐመጠ። ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ፡ መላእኽቲ ድማ ተገዝእዎ። ኵሉ ኃይልን ኵሉ ፍጥረትን መላእኽትን ድማ፡ ተገዝኡሉ። ንኣምላኽ ዘምሩ። ዘምሩ፡ ንንጉሥና ዘምሩ።

ናብ ሰማያት ብኽብሪ ዓረገ፡ መላእኽቲ ድማ ተገዝእዎ።  (ንደቀ መዝሙሩ)፡ "ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ ልብኹም ኣይሸበር" በሎም።” ዚብል’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ፡ ነቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ ናይ መዝ 47፡5,6 መሰረት ገይሩ ዝተሃንጸ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክና፡ ብዛዕባ ዕርገት ጐይታና ብደቂ ቆራሕ ዝተነግረ ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ። ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ዝደየበ (ዝዓረገ)፡ ብዘይካ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ ኣምላኽ የልቦን (ዮሃ 3፡13)። ቅዱስ ዳዊት’ውን፡ "ናብ ላዕሊ ደየብካ፡ ምርኮ ማረኽካ" ብምባል ብዛዕባ ዕርገት ናይ’ቲ ኻብ ዘርኡ ዝዀነ፡ "ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን’የ" ዝበለ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተነብዩ ኣሎ (መዝ 68፡18፣ራእ 22፡16፣5፡5፣2ጢሞ 2፡8)። ቅዱስ ጳውሎስ እዚ ትንቢት’ዚ ብዛዕባ ጐይታና ምዃኑ፡ ኣብ ኤፌ 4፡8-10 ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ንዕርገቱ ዚምልከት ካልእ ትንቢት’ውን ኣብ መዝ 68፡32,33፡ "ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፡" ብዚብል ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። እቲ ናይ ምስባክና ትንቢትን እዚ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙርን "ብእልልታን ብደሃይ መለኸትን" ከም ዝዓረገ ስለ ዚገልጽ፡ እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ "ዘመነ ይባቤ (ዘመን እልልታ)"’ዩ። ጐይታና ኺዓርግ ከሎ፡ ብዘይካ ቕዱሳንን ቅዱሳትን ደቀ መዝሙሩ ኻልእ ዝረኣዮ የልቦን። ንሱ ኺዓርግ ከሎ ድማ፡ ብእልልታን ብደሃይ መለኸትን ከም ዘፋነውዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን’ዩ። እቶም ኣብ ዕለተ ልደቱ ካብ ሰማያት ወሪዶም፡ ንልደቱ ብመዝሙር ዝጸንበሉ ሰራዊት መላእኽቲ፡ ንጉሶምን ፈጣሪኦምን ምድራዊ ተልእኾኡ ዛዚሙ ኺዓርግ ከሎ፡ ብኽብሪ ተቐቢሎም ብመዝሙርን እልልታን ደሃይ መለኸትን ከም ዚቕበልዎ ውሁብን ነጋሪ ዘየድልዮን’ዩ። እቲ ኣብ ራእ 5፡6-12 ዘሎ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን 24 ሽማግለታትን (ኣሕሉቕን)፡ እቶም ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ ሰራዊት መላእኽትን ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ ዘቕረቡሉ ውዳሰን ምስጋናን ክብርን፡ እንታይ ዓይነት ኣቀባብላ ኸም ዝተገብረሉ ንኽንርዳእ ዚሕግዘና’ዩ። ብዓብዩ ኸኣ፡ እቲ ትንቢት ባዕሉ ብእልልታን ብደሃይ መለኸትን ከም ዝደየበ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ንሕና ድማ፡ ነቲ ቓል እግዚአብሔር ዝነገረና ሓቂ ብዓይንና ዘይኰነ ብእምነት ኢና ’ንርእዮን ’ንቕበሎን (እብ 11፡1፣2፡8,9፣2ቈረ 4፡18፣5፡6,7፣ሮሜ 8፡24,25 16፣5፡5፣2ጢሞ 2፡8)። እምበኣር እዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን ነቲ ብእልልታን ብደሃይ መለኸትን ዝዓረገ ጐይታናን ኣምላኽናን ’ንሓስበሉ፡ ነቲ ብዕርገቱ ዝገበረልና ግብሪ-ድሕነት ’ንምሃረሉን ’ነመስግነሉን’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ዚ ናይ ዮሃ15፡7-19 ንባብና ዝተወስደ ዀይኑ፡ ምስ ያእ4፡3,4 ዝተዛመደ’ዩ።

እዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ምስ’ቲ "ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ" ዚብል ናይ ቅዱስ ወንጌል ትእዛዝ ኣይጋጨውንዶ፧ ኣይፋሉን፡ ይደጋገፍን ይመላላእን’ምበር፡ ፈጺሙ ኣይጋጨውን’ዩ። ቅድሚ ዅሉ፡ ጐይታና ንሰባት’ምበር፡ ንዓለም ከነፍቅር ከም ዘይኣዘዘና ኸነስተውዕል ይግብኣና። ምኽንያቱ እቶም ብመልክዕ ኣምላኽ ንዝተፈጥሩ ኣሕዋቶም ዚጸልኡ ሰባት፡ እቶም ብፍቕሪ ዓለም ዝተመረዙ ሰባት ጥራሕ’ዮም። ንዚጸልኣካ ምጽላእ፡ ኣዝዩ ዜሕፍርን ዜፍርድን ናይ ዕሽነትን ግብዝነትን ምርጫ’ዩ። ነቲ ዚጸልኣካ እንተ ጸሊእካዮ፡ እታ ኣብኡ ዝረኣኻያ’ሞ ዝተጸየፍካያ ባህርይ፡ ናባኻ ተስርጻ ስለ ዘለኻ፡ ካብኡ ዘይሓይሽ ሰብ ትኸውን ኣለኻ ማለት’ዩ። ንእኡ ምጽላእ ገዲፍካ፡ ነታ ጸላኢኻ ለቢስዋ ዘሎ ግናይ ናይ ጽልኢ ባህርይ ጥራሕ ንበይና ፈሊኻ እንተ ትጸልኣ ግን፡ ነቲ ጸላኢኻ ከተፍቅሮ ምመረጽካ’ሞ፡ ዝሓሸ ሰብን ውሉድ ኣምላኽን ምዀንካ። ነቶም ዚጸልኡና ሰባት፡ ጽልኢ ዝመሃረቶም፡ እታ ዘፍቀርዋ ዓለም’ያ። ንሰባት ዚጸልኡ ሰባት፡ ናይ ዓለም ደቀ መዝሙር’ዮም። ንጸላእቶም’ኳ ዜፍቅሩ ሰባት ግን፡ ናይ ክርስቶስ ደቀ መዝሙር’ዮም።

ጐይታና ንዓለምን ነቲ ገዛኢኣ ድያብሎስን ክንጸልእ’ምበር፡ ከነፍቅራ ኣይኣዘዘናን። "ናይ ክርስቶስ ደቀ መዝሙርን ክርስትያንን ኢና" ኢሎም ዚኣምኑ ሰባት፡ ብፍቕሪ ዓለም እንተ ተለኺፎም፡ ከም ናብ ክልተ ወገን ዚሕንክሱን ንኽልተ ጐይቶት ዚግዝኡን ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ኣመንዝራ ሰባት ይዀኑ (1ነገ18፡21 ፣ ማቴ6፡24)። ንዓለም ምጽላእና ዀነ ምፍቃርና፡ ምስ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘሎና ፍቕርን ጽልእን ቀጥታዊ ዝምድና ኸም ዘለዎ ኽንዝንግዖ ግን ኣይግባእን’ዩ። ምስ ተጻራሪ ይኹን ተመሳሳሊ ጾታ፡ ምስ ሰባት እንገብሮ ዓለማዊ ፍቕሪ፡ ናይ’ቲ ኣብ ልብና ዝሰረጸ ፍቕሪ ዓለም ነጸብራቕ’ዩ። ብሕማቕ ዕርክነት ምስ ሰባት ብፍቕሪ ዝተጸምደ ሰብ፡ ፍቕሩ ከም’ቲ ኣምላኽ ዚቕበሎን ዜኽብሮን ጥዑይ ፍቕሪ ኪቝጸረሉ ኣይክእልን’ዩ። ምስ ተጻራሪ ጾታ ፍቕሪ ዚመስል ፍትወታዊ ሃነይነይታ ዝሓዞ ሰብ፡ "ፍቕሪ ኣለዎ" ኺብሃል ኣይክእልን’ዩ። እዚ ዝዓይነቱ ርኹስ ጽምዶ፡ ናይ’ቲ ኣብ ልቡን ኣብ ህይወቱን ኣዕሚቑ ዝሰረተ ፍቕሪ-ዓለም ነጸብራቕን ምልክታትን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ "ን’ትጸልኣኩም ዓለም ኣይተፍቅሩ" ዚብል ቃል፡ ነቲ "ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ" ዚብል ትእዛዝ ጐይታ፡ ኣዝዩ ይድግፎን ጽኑዕ ይገብሮን’ምበር፡ ኣይጻረሮን’ዩ። ነቶም ዚጸልኡና ሰባት ናይ ምፍቃር ዓቕምና ምእንቲ ኺሕይል፡ ነዛ ጸላኢትና ዓለም ክሳዕ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ምጽላእና፡ ናይ መንፈሳዊ ብስለትና ጒሉሕ መርኣያ’ዩ።

ነቲ መሪሕ ጥቕስታትና ብምስትውዓል ነቢብናዮ እንተ ዄንና፡ ፍቕሪ ዓለም ምስ ከማና ሰባት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዓብዩ ምስ ኣምላኽ ከይተረፈ’ዩ ዜጻልኣና። ምስ ኣምላኽ ዝተጻልአ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ገዛኢ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዝዀነ ድያብሎስ’ዩ ዜፍቅር ማለት’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ ከረን ስብከቱ፡ ጐይታና፦

"ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ (ኻልእ) ይፈትው፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ (ኻልእ) ይንዕቕ።"

ኢሉና’ሎ (ማቴ6፡24)። ጽድቂ ይኹን ሓጢኣት፡ ኣብ ህይወትና ዚንጸባረቕ ኵሉ ባህርያት፡ ምስ ኣየናይ ጐይታ ብፍቕሪ ተጸሚድና፡ ምስ መኖም ከኣ ብጽልኢ ተፈላሊና ኸም ዘለና’ዩ ዜንጸባርቕን ዜግህድን።

"ዓለም" ክንብል ከለና ግን እንታይ ማለትና’ዩ፧ እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ህይወት ዘይብላ ግእዝቲ ኽነሳስ፡ ከመይ ገይራ’ያ ኽትፈትውን ክትጸልእን ’ትኽእል፧ ብርግጽ "ዓለም" ዚብል ቃል፡ ነዛ ንነብረላ ዘለና ግእዝቲ ምድሪ ዝተዋህበ ስም ምዃኑ፡ ፍሉጥን ርዱእን ሓቂ’ዩ። እግዚኣብሄር ብመለኮታዊ ኸኣልነቱ ኺፈጥራ ኸሎ፡ ኣዝያ ጽብቕትን ግርምትን ገይሩ ኸም ዝፈጠራ፡ ቃል እግዚኣብሄር ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና’ዩ (ዘፍ1፡4,10,12,18,21,25,31)። ድያብሎስ ብትዕቢቱ ቕድሚ ምውዳቑ፡ ንዝፋን ኣምላኽ ብኽንፉ ዜጽልል ዝለዓለ ኪሩብ’ዩ ዝነበረ። ብትዕቢቱ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ምስ ዓለወ ግና፡ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ተደርበየ (ኢሳ14፡12-15 ፣ ህዝ28፡12-17)። ነዛ ዓለም’ዚኣ ናይ ምግዛእ ስልጣን ዝተዋህበ ግን፡ ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ’ምበር፡ ንድያብሎስ ኣይነበረን። እዚ ናይ ዕልወት መልኣኽ’ዚ ግን፡ ይትረፍ ስልጣንን ግዝኣትን ናይ ሰብ፡ ናይ ኣምላኽ ስልጣን’ኳ ዘይውሓጠሉ ዓለወኛ ስለ ዝዀነ፡ ብኸመይ ንሰብ ነቒሉ ንዓለም ባዕሉ ይገዝኣ ኺበላሓት ጀመረ። እግዚኣብሄር ብሓጢኣት ዘይዋገይ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ፡ ንሰብ በታ ናቱ ሓጢኣት ኣበላሽዩ፡ ካብ ገነት ኤደን ከም ዚስጐጒ ገበሮ። ዓለም ንደቂ ኣዳም ስለ ዝተፈጥረት፡ ብሰሪ ሰብ ምድሪ’ውን ሓጢኣት ዚነብራ ዓለም ኰይና ምስ ኣዳም ተረግመት (ዘፍ3፡17-9)። ሰይጣን ዚገዝኣ፡ ሓጢኣት ዝነገሳ ዓለም ኰይና ተረፈት (ገላ1፡3,4 ፣ 1ዮሃ5፡19)። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚገዝእ ሓጥእ ኣተሓሳስባ፡ ባህሊ ኣገባብን ስርዓትን (System) ኣሎ። እምበኣር "ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይተፍቅርዋ" ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ሓጥእ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ፍትወትን ሜላ መንብሮን ወዘተ ማለት’ምበር፡ ናይ’ዛ ግእዝቲ ዓለም’ዚኣ ፍቕሪ ማለት ጥራሕ ኣይኰነን። ናይ’ዛ ግእዝቲ ዓለም’ዚኣ ፍቕሪ’ውን ከም ዜጠቓልል ግን፡ ኪዝንጋዕ ኰነ ኺክሓድ ኣይግባእን’ዩ። እዛ ዓለም’ዚኣ ኣካል ናይ’ቲ ሓጥእ ስርዓት ስለ ዝዀነት፡ ምስኡ ምስ’ዚ ሰይጣናዊ ስርዓት ሓቢራ ኽትጽላእ ዚግብኣ’ያ። ድያብሎስ ንጐይታና ኺፍትኖ ኸሎ፡ ፈጣሪኣን ፈራዲኣን ምዃኑ ኽሒዱ፡ ፍቕሪ ዓለም ኬስርጸሉ ብዓለም ገይሩ’ዩ ዝፈተኖ።

"ድያብሎስ (ንኢየሱስ) ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦ። ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስታት ዅላ ዓለምን (ክብረተንን) ኣርኣዮ። ሽዑ ድያብሎስ ‘‘እዚ ስልጣን’ዝን (ኵሉ) ክብረተንን ንኣይ ተዋሂቡኒ’ዩ’ሞ፡ ኣነ ንዝደለኹ እህቦ፡ ንኣኻ’ውን ክህበካ’የ። ስለ’ዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ፡ ኵሉ ናትካ ኪኸውን’ዩ” በሎ።" ሉቃ4፡5-7

ምሉእ ዕድመና፡ ንነፍሲ ወከፍና መዓልቲ-መጸ ዚቐርበልና ፈተና ድማ እዚ’ዩ። ፍትወት ናይ ገንዘብ፡ ንብረት፡ መሬት፡ ስልጣን ወዘተ ኣብ ልብና ኸም ዚሓድርን ከም ዚገዝእን ኪገብር ብዘይ ምቍራጽ ይፍትነና። ነዚ ፍትወትና’ዚ ንምርካብ ግን፡ ነቲ ሓጥእ ኣገባብ ክንጥቀም እቲ ዓለማዊ ስርዓት የገድደና። እዚ ዅሉ ናትካ ንኪኸውን፡ ሓጢኣት ብምግባር ንድያብሎስ ክትሰግድ ዘይስገር ረቛሒ ይኸውን። "ብጽድቂ ኺጥረይን ኪመሓደርንዶ ኣይክኣልን’ዩ" ዚብል ሕቶ ይልዓለና ይኸውን። ኣይክኣልን’ኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ግን፡ ጐይታና በቲ፦

"ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው ጭንቂ ኸም ዝዀነ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ደጊመ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ኪሓልፍ ከም ዚቐልል እብለኩም ኣለኹ።"

ብምባል ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ19፡23,24 ካ.ት)። ነዚ ረቂቕ ኣበሃህላ’ዚ፡ "ሃብታም ምዃን ሓጢኣት’ዩ" ይብል ከም ዘሎ ጌርና ኸይንርድኦ ንጠንቀቕ። መብዛሕትኡ ሃብቲ ብሓጥእ ኣገባብ፡ ማለት ብስሰዐ፡ ሓሶት፡ ምትላል ወዘተ ኸም ዚጥረይ ግን፡ እቶም ወነንቲ ባዕላቶም ኰነ እቲ ተዓዛቢ ህዝቢ ይፈልጦ’ዩ። ዋላ ኣብ ምውናኑ እንተ ዘይሓጥአ’ኳ፡ ኣብ ምሕደራኡ ግን ይሓጥእ። ፍቕሪ ገንዘብ ንልቡ ስለ ዚደፍኖ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ጽጉማት ብጽሒቶም ይኸልኦም። እዚ ዅሉ ሓጥእ ተግባራት፡ ናይ’ቲ ኣብ ልቡ ዝሰረተ ሓያል ፍቕሪ-ዓለም ጒሳዕ’ዩ። ዋላ ደም ርሂጹ ዘጥረዮ እንተ መሰሎ፡ ብዓል ብጽሒት ደኣ’ዩ’ምበር፡ ዋና ናይ’ቲ ሃብትስ እቲ ወሃቢ ኣምላኽ ባዕሉ’ዩ። ስለ’ዚ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእታው ተኽእሎኡ ኸም ዓይኒ መርፍእ ዜጽብበሉ ዘሎ፡ እቲ ሃብቲ ዘይኰነስ፡ እቲ ፍቕሪ-ዓለም ዜፍርዮ ሃብቲ-ሓጢኣት’ዩ። ንሱ ነቲ ዚእክቦ ዘሎ ሃብቲ ገንዘብን ጥሪትን’ምበር፡ ነቲ ዚውህለል ዘሎ ሃብቲ-ሓጢኣት ኣይርእዮን’ዩ። መዓልታት ህይወቱ ተወዲአን ምስ ሞተ ግን፡ ነቲ ሃብቲ ገንዘቡ ንድሕሪት ገዲፉ፡ ነቲ ሃብቲ ሓጢኣቱ ተሰኪሙ’ዩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚቐውም። ፍቕሪ ዓለም፡ ኣዝዩ ሕሱም ኣበሳ’ዩ። መዋጽኦ ናብ ዘይትረኽበሉ ናይ ዕሽነትን ጥፍኣትን ታኼላ’ዩ ዜጥሕለካ (1ጢሞ 6፡9,10)። 

እቲ ድኻ ሰብ’ውን ካብ ፍቕሪ ዓለም ሓራ’ዩ ማለት ኣይኰነን። ነታ ናይ ዕለት እንጌራኡ ንምርካብ፡ ካብ’ታ ንእሽቶ እንጌራኡ ዚዓብይ ሓጢኣት ኪእክብ እንተ ውዒሉ፡ ነታ ራህዋ ኼስተማቕረላ ዚኽእል እንኮ ናይ መንግስተ ሰማያት ተስፋኡ ኼጸልምታ’ዩ። ኵነታት መንብሮና ዘይኰነስ፡ዓይነት ናይ ህይወትና’ዩ ዜገድስ። ካብ ፍቕሪ ዓለም ዝነጽሀ ህይወት እንተ ነበርና፡ ደጌታት መንግስተ ሰማያት ጋህ ኢሎም ብኽብሪ ኪቕበሉና’ዮም። ፍቕሪ ዓለም ብዝፈረዮ ሓጢኣት፡ ንገዛኢ’ዛ ዓለም’ዚ ዝዀነ ድያብሎስ ክንሰግደሉን ከነምልኾን እንተ መሪጽና ግን፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ጽልኢ ስለ ዘግሃድናዮ፡ ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ምንባር ዘለኣለማዊ ጽሕፍቶና ኪኸውን’ዩ።

ካብ ፍቕሪ ዓለም ኽንድሕን ዜኽእለና ጥበብን ምስጢርን እንታይ’ዩ፧ ነዚ ሕቶ’ዚ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር መሊሱልና ኣሎ። እዞም ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ‘ንነብር ሰባት፡ ብመንፈሳዊ መበቈልና ኣብ ክልተ ዓበይቲ ምድባት ኢና ‘ንምደብ። እቶም ቀዳሞት ምድብ፡ ዓለም ዝመበቈሎም ዓለማውያን ሰባት ኪዀኑ ኸለው፡ እቶም ካልኦት ምድብ ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ዝመበቈሎም፡ ካብ ላዕሊ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልዱ መንፈሳውያን ሰባት’ዮም። ወዲ ሰብ ድማ ብባህርዩ፡ ንመበቈሉ ዜፍቅር ፍጥረት’ዩ። ነታ መበቈልና ዝዀነት ስድራ ቤት፡ ነታ መበቈልና ዝዀነት ሃገር ኢና ’ነፍቅር። ስለ’ዚ ኣብ ውሽጥና ፍቕሪ ዓለም ሓዪሉን ገቢሉን እንተ’ልዩ፡ መንፈሳዊ መበቈልና እዛ ውድቕትን ሓላፊትን ዓለም’ዚኣ ዀይና’ላ ማለት’ዩ። ተስፋና ንሳ ስለ ዝዀነት፡ ኣብኣ ኽንከብርን፡ ካብኣ ኽንረብሕን ብርቱዕ ባህጊ ይህልወና። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ‘ንጸንሓሉ ጊዜ ኣዝዩ ድሩትን ሓጺርን ምዃኑ ስለ ‘ንፈልጥ፡ ብዝለዓለ መጠን ምእንቲ ኸነስተማቕራ፡ እነርእዮ ሃነፍነፍን ሃለኽለኽን መግለጺ ዀነ መስፈሪ ኣይርከቦን’ዩ። ናይ ሓጢኣት ዓለም ስለ ዝዀነት፡ ናታ ምዃንና ንምርግጋጽ ብሓጢኣት ጸብለል ክንብል ብምሉእ ሓይልና ንጋደል። ሓጢኣት ዜብህገናን ዚብርሃናን፡ ሓጢኣት ዜሐጒሰናን ዜዛንየናን ሰባት ንኸውን። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝበሎ፡ ክብረትና ኣብ ነውርና ይኸውን (ሮሜ1፡24-32 ፣ 1ቈረ5፡9-11 ፣ 6፡9-11 ፣ ኤፌ2፡1-3 ፣ 4፡18,19 ፣ ቈሎ3፡5-10 ፣ 2ጢሞ3፡1-7 ፣ ቲቶ1፡16 ፣ 2ጴጥ2፡10-19)። ካብ ዓለም እንተ ዄንካ ኵሉ ስምዒታትካ፡ ኣተሓሳስባኻ፡ ዘረባኻ፡ ተግባራትካ ብምሉኡ ዓለማዊ’ዩ ዚኸውን። ዓለማውያን ሰባት ዚብልዎ ኽትሰምዕ፡ ዚገብርዎ ኽትርእይ ጥራሕ ትደልይን ባህ የብለካን (ዮሃ3፡31 ፣ 1ዮሃ4፡5)። ናይ ኣምላኽ፡ ናይ መንግስተ ሰማያት፡ ናይ ሰማያዊ ተስፋ ነገር ኪዝረብ ከሎ ጠላሕ ኣይብለካን፡ የጽልኣካ፡ ጽውጽዋይ ኰይኑ ይስምዓካ።

ካብ’ዚ ለካሚና ዝዀነ ኽፉእ ምርጫ ኽንድሕን እንተ ዄንና’ምበኣር፡ ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣን ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣን ምዃን ገዲፍና፡ ካብ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ ተወሊድና፡ ሰማያውያንን መንፈሳውያንን ክንከውን፡ ናይ መበቈል ለውጢ ኽንገብር ይግብኣና። ናይ ላዕሊ ናይ ኣምላኽ እንተ ዄንካ፡ እዛ ዓለም’ዚኣ ምስ ኵሉ ኽብረታን ረብሓኣን ኣዝያ ተጽልኣካ። ንዅሉ ነገራ ኣዚኻ ትጽየፎ። ነታ ኻብኣ ተፈሊኻ ናብ’ታ መበቈልካ ትግዕዘላ መዓልቲ ኣዚኻ ትናፍቓ። ናብ’ታ መበቈላዊት ሃገርካ ኻብ ምእታው ንዚዕንቅፈካ ዅሉ ዓይነት ሓጢኣትን ቅዲ ህይወትን፡ ኣዚኻ ትርሕቆን ትዋግኦን። ሓጢኣት ካብ ክትፍጽም፡ ዋላ ብመሪር ስቓይ ይኹን፡ ሞት ትመርጽ። ዋላ መሪር ዋጋ ዜኽፍለካ ይኹን፡ ነቲ ሰማያውን መንፈሳውን መንነትካ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብግብሪ ኽትነብሮ፡ ምሉእ ትብዓትን ልዑል ሓጐስን ይህልወካ። ኵሉ ቐልብኻን ኣእምሮኻን፡ ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ጥራሕ’ዩ ዜድህብ።

"ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ’ሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።" ቈለ3፡1-3

"እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና፡ ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። . . . ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡ’ውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ’ቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ ዝተወጻዕኩ፡ (ንኻልእ) ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣለኹ።" ፊል3፡7-9

እዚ ሃዋርያዊ ተኣምኖን ምዕዶን’ዚ፡ ናይ’ቶም ንዓለም ዝነዓቑን ዝተጸየፉን ሰማያውያን ክርስትያን ቋንቋ’ዩ። ንሰማያውያን ክርስትያን፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ምንባር የጽልኦምን የስቈርቍሮምን’ምበር፡ ኣየብህጎምን’ዩ። ናይ ሰማያውነቶም ተልእኾ ምእንቲ ኺፍጽሙ ጥራሕ፡ ነቲ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ምጽናሕ፡ ብጸጋ ይቕበልዎ። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ንፍቓድ ኣምላኽ ንምግልጋልን፡ ጽድቅን ቅድስናን ክብርን ናይ እግዚኣብሄር ንምንጽብራቕን ከም ዝተመደቡ ብዘየወላውል ንጹርነት ይፈልጡ’ዮም። እምበኣር፡ ብፍቕሪ ዓለም ዝተዋሕጡ ዓለማውያን ካብ ምዃን ’ንድሕነሉ ዝዓበየን እንኮን ምስጢር፡ ብእምነት ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ካብ ላዕሊ ኻብ ኣምላኽ ተወሊድና፡ ናይ መበቈል ለውጢ ምግባር’ዩ።

ናይ መበቈል ለውጢ ድሕሪ ምግባሩ፡ ብፍቕሪ ዓለም ዚልከፍ ሰብ የለን ማለትና ድዩ፧ ከምኡ ኻብ ምዃን ደኣ የድሕነና’ምበር፡ ምህላውሲ ኣሎ’ባ። ካብ ሰማያዊ መንነት ናብ ዓለማዊ መንነት ዚምለሱን ዚወድቁን ሰባት ብርግጽ ኣለዉ ውሑዳት’ውን ኣይኰኑን። ጽወዓት ብዙሓት ሕሩያት ግን ሒደት ዚዀኑሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ሉቃ9፡23)። መጽሓፍ ቅዱስና ነዚ ኣሰቃቒ ተርእዮ’ዚ፡ "ንድሕሪት ምምላስ" ብምባል’ዩ ዚገልጾ። ሰብ፡ ሳላ’ታ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ናይ ነጻ ፍቓድን ነጻ ምርጫን ስልጣን፡ ኵሉ ጊዜ ብኽልተ ኣማራጺታት ተማእኪሉ’ዩ ዚነብር። ጽድቅን ሓጢኣትን፡ ብርሃንን ጸልማትን፡ ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን፡ ኵሉ ጊዜ ብቕድሚትን ድሕሪትን፡ ብየማንን ጸጋምን ብላዕልን ታሕትን ከቢቦምናን ኣማእኪሎምናን’ዮም ዚነብሩ። ኣብ ኣምላኽ’ዩ ለውጥን ምግልባጥን ዘየለ’ምበር፡ ኣብ ሰብ ኣብ’ዚ ድኹምን ስጋውን ፍጥረት ግን፡ ማእለያ ዘይብሉ ለውጥታት ኣሎ። ስለ’ዚ ኢና "ሓንሳእ መሪጸ’የ" ኢልና ንሓዋሩ ኽንቀስንን ርግጸኛታት ክንከውንን ዘይንኽእል። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ስጒምቲ፡ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ኢና ሓድሽ ምርጫ እናገበርና ንኸይድ። ስለ’ዚ ኸኣ ጐይታና፦ 

"ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ እንተ’ሎ፡ (ኣብ ጸጽባሕ) ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል’ሞ፡ ይስዓበኒ።"

ብምባል ዝኣዘዘና (ግብ1፡24,25)። ምኽንያቱ ሎሚ ንመስቀሉ ተሓጒሱ ዘልዓላን ዝጾራን ሰብ፡ ጽባሕ ግን ደርብይዋስ፡ ካልእ ግናይ ጾር ተሰኪሙ ናይ ምኻድ ተኽእሎ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ’ዛ እክይቲ ዓለም’ዚኣ ብህይወት ክሳዕ ዝሃለወ፡ ኣብ ናይ ጸላኢ ግዝኣት ይነብር ስለ ዘሎ፡ ኣብ ትሕቲ ዘየቋርጽ ፈተና’ዩ ዘሎ። ሕጂ ኣብ ቤትካ ብጽድቂ ኽትዋሳእ ጸኒሕካ፡ ካብ ቤትካ ውጽእ ምስ በልካ ግን፡ ብሓጢኣት ተፈንጢርካ ኽትወድቀሉ ’ትኽእል ብዙሕ መጻወድያታት ይጽበየካ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ወጽመድ ድማ ናይ ጽድቅን ሓጢኣትን፡ ናይ ሞትን ህይወትን ምርጫ ኣጻዊዳትልካ’ያ ’ትጸንሕ። ስለ’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞትን ስጒምትን ኵነታትን መበቈልካ እናዘከርካ፡ "ኣነ መን’የ፧ ናይ መንከ’የ፧ ግብረ-መልሰይከ ምስ መንነተይን ምስ’ቲ ቐዳማይ ምርጫይን ይሰማማዕ ድዩ፧" ኢልና ኽንሓትት’ዩ ዚግባእ። ብዝተረፈ ብስምዒት ተደሪኽና ኸከም ዝመሰለና እንተ ወሲንናን እንተ መሪጽናን ግን፡ ሳዕቤኑ ሓደገኛን ዘይሓውይን ኪዀነና ይኽእል’ዩ። 

ሃዋርያ ይሁዳ፡ ናይ መበቈል ለውጢ ኻብ ምግባር ሓሊፉ፡ ንሃዋርያነት ዜሕርዮ ብቕዓት ዘጥረየ ሰብ ነበረ። እዚ ሕሱም ሰይጣን ብፍቕሪ ገንዘብን ፍቕሪ ዓለምን ምስ ለኸፎ ግን፡ ገና ንክርስቶስ እናሰዓበን እናኣገልገለን ከሎ’ኳ፡ ዜሕፍርን ዜነውርን ሓጢኣት ኬዘውትር ጀመረ። ካብ’ዛ ሰራም መገዲ’ዚኣ ብኣጋኡ ምምላስ ምስ ኣበየ ግን፡ ሓጢኣቱ ኣግሂዱ ንመድሓኒኡ ኽሳዕ ምሻጥ ነወረ። ቅዱሳን ሃዋርያትን ኵሎም ደቀ መዝሙርን ኣብ ጸሎቶም ነዛ ይሁዳ ዝወሰዳ ስጒምቲ "እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ምእንቲ ኪኸይድ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን" ብምባል ገሊጾምዎ ኣለዉ (ማቴ19፡30 ፣ 20፡16 ፣ 22፡14)። ስለ’ዚ ብፍቕሪ ዓለም ተለኺፍና ደድሕሪኣ ኽንስዕብ እንተ መሪጽና፡ ካብ’ታ ክርስቶስ ጐይታና ብመስዋእቱ ዝመደበልናን ዝሃበናን ስፍራ፡ ናብ ካልእ ስፍራ ንግዕዝ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና።

እምበኣር ህይወትናን ኣካይዳናን ብዕቱብ ንመርምር’ሞ፡ ሃለዋትና ንፍለጥ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ብፍቕሪ ዓለም ነዊርና፡ ከም ይሁዳ ስፍራና ኣበላሺና ኸይንህልው ንጠንቀቕ። ምስ’ቲ ንድሕነትና ኢሉ ዘፍቀረና ጐይታ ደኣ’ምበር፡ ምስ’ታ ንጥፍኣትና ኢላ ዘፍቀረትና እክይቲ ዓለም ብፍቕሪ ኣይንጸመድ። ንኸወንታ ዘይትኸውን ሕስምቲ ዓለም’ያ። ዘይትፍተው ፈቲና፡ ጸላእቲ ናይ’ቲ መፍቀሪና ኣምላኽ ኣይንኹን። ናይ ምጽላእ ፍቓድ ዝሃበትና እንኮ ትእዛዝ እዚኣ’ያ’ሞ፡ ነዚኣስ ነኽብራ ደኣ!! 

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

14 ሰነ 2026 | ሰነ 7, 2018 ግዕዝ (መበል 40 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ:  ፵፮(፵፯)፡፭-፮ "ዓርገ እግዚአብሔር ባይባቤ። ወእግዚእነ በቃለ ቀርን። ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ።"

"ኣምላኽ ብእልልታ፡ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፡ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፡ ዘምሩ።"

ንባባት

ኣንባቢ

ኤፌ 1፡15-ፍጻመ

ዲያቆን

1ዮሃ 2፡20-29

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 10፡36-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 15፡7-19

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ዓርገ እግዚአብሔር በቃለ ቀርን

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div