እዚ ዝስዕብ ዓንቀጻት ንመንግሥቲ ኤርትራ ብናይ ጽልእን ቂምን ኣረኣእያ ገምጊሙ ብናይ ገበን ሚዛን ዝፈርድ ሓሳባት ኣይኮነን። ከምኡውን ነቲ መንግሥቲ
ትሒቱን ወዲቑን ንምርኣይ ዝትምነ ትንታኔ ሓሳባት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝተፈጸሙ ኣብ ዝኽሪ ኣምጺእካ፡ ምምሕዳር ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ፡ ንህዝቡ ክድብስን ክእብድን ከም ዝግብኦ ንምዝኽኻር እዩ። ከምኡውን፡ እቲ እምነት ክርስትና ብሓፈሻ፡ ማሕበር ቅድስቲ ተዋህዶ ክርስትና ኸኣ ብፍላይ ጭቖናን፡ ዘየድልዩ ዓንቀጻን ይበዝሖ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር መንፈሳዊ እምነቱ ጸቕጢ ኸቢዱዎ፡ ይቕየም ስለ ዘሎ፡ እቲ መንግሥቲ ነቶም ዝፍጸሙ ዘሎዉ ግፍዒታት ብፍርዲ፡ ኣብ ዕርቅን፡ ስምምዕን፡ ስኒትን ከርግጾም ኣቤቱታ የቕርብ ኣሎ።
እንደገና ክድገም ዝግብኦ ግን፡ እቲ መንግሥቲ ካልእ ዕማማቱ ንኸከናውን ኣብ ናይ መንፈሳዊ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብሉ ብዝተደጋገመ ኣጋባብ ቅድሚ ሕጂ ናይ ዜናን ወረን ምምሕዳር (Ministry of Information) ስለ ዝገለጸ፡ “መንግሥትኻ እሙን ክኸውን እመኖ” ዝብል ሪም ተኸቲልና፡ ቃል መንግሥቲ ብምሉእ ሓቅነቱ ንቕበሎ ኢና። ፍትሒ ዝጽበ ጉዳይ ሃይማኖት ክርስትና ጉዳይ ወጽዓኡ መዓለምታ ብምግባር ቕኑዕ ፍትሒ ይጽበ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ኢድ ኣቶ ዩፍታኄ ክሳድ እምነት ሓኒቑ ስለ ዘሎ፡ ትንፋስ ሓጺሩና ኣመንቲ ክርስትና፡ ብፍላይ ከኣ እታ ጥንታዊት ኣደ እምነታት፡ኣደ ይማኖት ዝኾነት ብምሉእ ዓለም ዝተመስገነትን ዝተሞጐሰትን እምነት ተዋህዶ ክርስትና “ምሕረት! ትብል ኣላ። ኤርትራ ብናይ ስኒትን ምጽውዋርን ዝተመስገነት ሃገር፡ እያ። ኣስላማይ፡ ክርስትያን፡ ኣማኒ፡ ዘይኣማኒ ብሕልናኦም ተደሪኾም ጉዳያት እምነቶም ምስ ናይ ጉዳይ ምምሕዳር ህዝቢ ኣሣሚሮም እቶም ኣመንቲ ብጃምላ ብብልሓቶምን፡ ልቦናኦምን ዝተመስከረሎም ስለ ዝኾኑ እቲ መንግሥቲ'ውን ይእመኖም።
ስቓይ ይእክል!
እዛ ቍሩብ ዓንቀጻት ዝሓዘት ድርሰት እምበኣር ነቲ ዝኸውን ዘሎ ሕንፍሽፍሽን ምቅርሕሓንን ንምግላጽ፡ ናይ ኣማኒ ምህልላ ዓውታ ንምጕላሕ ዝተወጠነት ኮይና እቶም መራሕቲ ህዝብን ኃይማኖትን ከኣ ኣዉያት ህዝቢ ክሰምዑ ሓላፍነቶምን መዝነቶምን ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ብእምነት ህዝቢ ዝተዓጠቑዎ ናይ መሪሕነት ቅናት፡ ናይ ስልጣን ሓይሊ፡ ብፍትሒን ትሕትናን፡ ብወግዒ፡ ብርትዒ ምእንቲ ከጋይጹሉ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ተመጒሶምን ተፈትዮምን ምእንቲ ክርከቡ ብዙሕ ዝተሓስበሉ ፍካሬ ሓሳብ እዩ። እቲ ህዝቢ ይምህለል ኣሎ። ብዓቕሊ ጽበት የሕለሎ ኣሎ።
ፍትሒ እንተ ነገሠ፥
ዝዘርአ እንተ ሓፈሠ፥
ዝጽዓረ እንተ ተሞጐሰ፥
ኣምላኽ ተሓጎሠ ።
ፍትሒ እንተ ተረስዐ፥
ሓረስታይ እንተ ተወጽዐ፥
ሚዛን እንተ ዘምብዐ፥
ኣምላኽ ነብዐ፥
ጸላኢ ተበድዐ።
/=================/
ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብጭንቅናን ሽግርናን ይሕጐሱ፡ ይኽዕቡና፡ ይጀሃሩልና ኣለዉ። ናጽነትኩም ናብ ባርነት፡ ሓርነትኩም ናብ ስደት፡ ክብረትኩም ናብ ሕስራን ተለዊጡ፡ ተሰዲድኩም ኣብ ገበላናን ድርኩኺት ገዛናን “ማርያም ትሃብኩም” ትብሉ ኣሎኹም፡ እናበሉ የባጭዉልና ኣሎዉ። ጸላእትና ተነይቶምልና፡ ዝብጀወልና፡ ዝማጎተልና፡ ዝሕለቐልና ስኢንና ተራሕሪሕና። ጻሕ ኢልና ወዲቕና፡ ጸላእቲ ተነይቶምልና፡ ፈተውቲ ዘይብልና ተሪፍና ኣብ ዝሕፍረና ኩነታት በጺሕና። ተናዒቕና።
ኤርትራ! ማኅደረ- ወንጌል ቅድስት፡
ኤርትራ ሃገርና ቅድስቲ ሃገር’ያ። ንጉሥ ዳዊት ከም ዝበሎ፡ “እግዚኣብሔር ግሩም በባሕረ ኤርትራ ይብል። ስፍሓት ታሪኽና ብንእሽቶ ግናዕ ሓሳባት ክትገልጾ ኣሸጋሪ እዩ። ብክፋል ንቑሩብ ሓሳባት ጥራይ ከም ኣብነት ኣቕሪብካ ብንጹር ወይ ጕሉሕ ኣጋባብ ብምትንታን ዝእለ እዩ። ኣብዚ እምበኣር እቲ ታሪኽ ናይ እታ ቅድስት እምነተ-ክርስቶስ ነቶም ማዕከናት ታሪኽ ብኽፋል ሰሚኻ፡ ነተን ምርኡያት ነጥብታት ብመጠኑ ኣመዓራሪኻ ንምግላጽ ዝፈተነ’ዩ። እቲ ጊዜ ከም ፈለግ ኮይኑ ታሪኽ ናይ እምነትናን ህዝብናን ከኣ ከም ውሒዥ ኮይኑ ብኸመይ ኣጋባብ ጎቦታትን ሽንጭሮታትን ናይ ዘመናት ጥሒሱ፡ ብዝሒ ገድሊን መስጐጕቲን፡ ቅትለትን፡ ድህለትን ተጸሚሙ ንነዊሕ ዘመናት እናወሓዘ ኣብ ሃገርና ገንፊሉ ንኢትዮጵያ ከም ዝጀርበበ፡ ዘሎን ዝመጽእ ወለዶን ይፍለጦ።
ወንጌል ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝኣተወሉ ዘበን፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ እምነት ስምዒትን ፍርሃት እግዚኣብሔርን ከም ዝነበሮ ጽሑፋት ይገልጹ። ብሉይ ኪዳን ከም ዝምስክሮ፡ ብጊዜ ሓድሽ ኪዳን'ውን ዝተራጋገጸ፡ እታ ሃገር መዕረፊት ኣጋይሽን መኣንገዲት ስዱዳትን ስለ ዝኾነት፡ ሓንቲ ካብተን እምነተ ክርስቶስ ተቐቢላ ነቲ ‘‘ተዋህዶ’’ ተባሂሉ ዝተጸምበለ እምነት ምልኣት ኣጋባቡን ሥርዓቱን ሠሪዓ ንምሉእ ኢትዮጵያ ኣመሓላልፈት። ምንም እኳ ታሪኽ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኤርትራን ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ተልእኮ እምነት ብዙሕ ኣቓልቦ እንተዘይሃቦ፣ ቀንዲ መሠረት እምነትን መተከል ባህሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድም ኣብ ኤርትራ ደሓር ከኣ ኣብ ሰሜን ትግራይን ጐንደርን ከም ዝተዘርኤን ከም ዝዓምበበን ታሪኽናን ታሪኽ ዓለምን ይምስክሩዎ እዮም። ህዝብና ህዝቢ ኣምላኽ፡ ካብ ስድራ ቤት ኣብርሃምን ይስሃቅን፡ ብስጋን ብመንፈሳዊ ታሪኽን ካብ ጥንቲ ነቲ እምነተ-ኣምላኽ እናተኸተለ መፎር ክርስቶስ ኮይኑ ጠጠው ኢሉ ዝመስከረሉን ዝዓቀቦን ምዃኑ ኣብ ዓለም ግሉጽ እዩ። ግንከ፡ መስጎጕቲን፡ ማህረምቲን፡ ምሕያርን፡ ምሕናቕን ከኣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ህዝብና ተዘውቲሩ እዩ። ኤርትራ ዝባና ቅሉዕ እዩ። ሎሚ’ስ ምሕረት!
ኤርትራ ቅልዕቲ ዝባን፡
ቀዳሞት ገዛእቲ ኤርትራ በብእዋኑ፡ ዓቢ ድፍረት ኣብ ህዝቢ ዓቢ ጉድኣት ኣብ እምነት ክርስትና ከም ዘስዓቡን፡ እቲ እምነት ክርስትና፡ ንኸውድቑዎን ክድምስስዎን ከም ዝሓለኑ፡ ግን ጽንዓት ህዝብና ዘይጸዓድ፡ ብዝደፍሩዎ ዘይሰግእ፡ ንዝጸልኡዎ ዝንዕቕ፡ ንትዕቢትን ትምክሕትን ዝፍንፍን ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ናይ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ኢጣልያ፡ እንግሊዝ፡ ኃይለ ሥላሴን ደርጊን መኪቱ፡ ብሃይማኖቱ ጸኒዑ ፍንትት ከይበለ ንመዋእላት ከይተምበርከኸ ከም ዝተዓወተ ዝዓበየን ዝንኣሰን ክርስዖ ኣይግባእን። ንምሉእ መዋእሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ጭቆናን ኣደዳ ሕስረትን፡ ኣደዳ መግረፍቲን፡ ኣደዳ ስደትን፡ ኣደዳ ናይ ኣመሓደርቱ ንዕቀትን ኮይኑ ኣሕሊፉዎ። ብዘበን ቱርኪ፡ ብዘበን ግብጺ፡ ብዘበን ጥልያን፡ ብዘበን ደርጊ ፍትሒ ዝረክብ መሲሉዎ “ኣቤት! ኣቤት! ኣቤት! ስለ ፍትሒ! ስለ ጽድቂ! ስለ ሓቅነት!” ኢሉ ብንብዓትን ብተጓእታ ልቢን ተማህሊሉ። ፍትሒ ስኢኑ፡ ልቡ ክድብስ፡ ኣብታ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እምነት ተዋህዶ ብንቕሓት ተረኺቡ፡ ንኣምላኹ ስለ ዝጠርዐ፡ እቶም ፍትሒን ሓቅነትን ተመርኲሶም ክብይኑ ዝግብኦም ኣመሓደርቲ፡ ነቲ ህዝቢ ዘሕሰሙ መሲሉዎም፡ ነታ ቅድስቲ እምነት ኣናሽዮም፡ ንውሉደ ክህነት ኣሕሲሮም፡ ንምእመናን ኣነዊሮም፡ ብሕሰም ኣጋፊዕምዎም።
ብዘበን ቱርኪ ማለት ኣብ መወዳእታ 15 ዘመናት ወይ መጀመርታ 16 ዘመናት፡ ሕሰም ቱርኪ ብባጽዕን ሱዋቂምን (ኣብቲ ጊዜቲ፡ ናይ ኤርትራ ሕጂ ግን ናይ ሱዳን ወደብ) ነተን ኣብ ከባቢ ሳሕልን፡ ባርካን ዝነበራ ኣብያተ ክርስትያናትን፡ ቅዱሳት ገዳማትን፡ ኣብያተ ትምህርቲን ብሓይሊ ደምሲሶም ንኣመንቲ ክርስትና ኣጽነቱዎም። ብድሕሪኡ ግብጻውያን መማህራን ካብ ጅዳን፡ ካብ ግብጺን፡ ካብ የመንን ኣሕዲሩ፡ ቀስ-ብቐስ፡ ብሰላሕታን ብታሕቲ ታሕቲን ነተን ኣብ ከባቢ ኣቍርደትን፡ መንሱራ፡ ታሕታይ ገርገር፡ ሳቦት (ሰብ-ታቦት)፡ ደብሪ-ሳላ (ደብረ-ሰላም)፡ኣብ ገማግም ሰሜናዊ ባሕሪ ዝነበራ ኣብያተ ክርስትያናት ኣፍሪሶምወን። ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ናብ ምስልምና ዝተበገሱ ኣሕዋቱ ብኽፉእ ዓይኒ ርእይዎም ኣይፈልጥን። እቲ እምነት ተዋህዶ ክርስትና ተጻዋሪ፡ ትሑት፡ ፈሪሃ-እግዚኣብሔር ዘሎዎ ስለዝኾነ፡ ምስ ኣስላም ኣሕዋቱ ብሰላምን ብስኒትን እንተዘይኮይኑ፡ እምነት ተዋህዶ ክርስትና ዘንቀሎን ዘብቆሎን ሕሰም፡ ጭካኔ፡ መስጎጕት፡ ቅርሕንቲን ቂምን ኣርእዩ ዝብል ታሪኽ ብፍጹም የሎን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽያፉ ዝኸተተ ናይ ርዝነትን፥ ፍትሒን፥ ለውሃትን ተጻዋርንትን ህዝቢ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽያፉ ዝኸተተ ልኡም ህዝቢ።
እታ ናይ ተዋህዶ እምነት ብሓቂ እምነት ፍቕሪ እምነት ጽንዓት እምነት ውልቃዊን ሓፈሻዊ ሓርነትን’ያ። እታ ተዋህዶ እምነት፡ እቲ ንደቃ እትህቦ ልቦናን ብልሓት ዓለምን እውን ኣዝዩ ጽኑዕ እዩ። ኣመንቲ ቅድስቲ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ጥንቲ ብፍርሃት እግዘኣብሔር ዝተኣደቡ፡ ተቐበልቲ ጋሻ፡ ተጸመምቲ፡ ለጋሳት፡ መሰል ትሑታት ዘይግህሱ፡ ንድኻ ዝረድኡ፡ ምስክር ሓሶት ዝፍንፍኑ፡ ሓረጣ ዝጽይኑ፡ እምነት ናይ ጓና ዘየሕስሩ፡ ዓቃላት፡ ወሃብቲ፡ ዒብ ዘሎዎም፡ ሓቦኛታት፡ ልኡማት፡ ናይ ፍትሒ ሚዛን ዘየዝብሉ፡ ንጽድቂ ዝጠምዩ፡ ንሓጢኣት ዝጽይኑ እዮም። ኣመንቲ ናይ ተዋህዶ ኤርትራ እንተድኣ ተዓዚብናዮም፣ ዋላ እቲ ዘይምሁር ጓሳ ብባህርዩ ስልጡን ወይ ምዕቡል ርእይቶ ንዝምባሌ ዓለምን፡ ንሕይወት ሰብን ብቕንዕና ዝመዝን እዩ። ከመይ ኢሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሱል፡ ስልጡን፡ ምዕቡል፡ ብባህርያዊኡ ዝተራቐቕ ጠባይ ኣብ ዓበይቲን ንኣሽቱን፡ ኣብ ምሁራትን ኣብ ዘይምሁራትን ተዘውቲሩ ንርእዮ ኢሎም ንዝሓቱ፡ ዝቕበሉዎ ቅኑዕ መልሲ እዚ እዩ። -እቲ ኸይተዘርበ፡ ከይተነብበ፡ ከይተሰብከ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ናብ ካህን፡ ካብ ካህን (ኣበ-ንፍስ) ናብ ወላዲ፡ ካብ ወላዲ ናብ ውሉዳት፡ ዝመሓላለፍ ጸጋ ትምህርቲ ክርስትና ተዋህዶ ምልኣቱን ፍጽምናኡን ጀርበብ ኢሉ ጽዋእ ሕይወት ኩሎም ኣመንቲ ስለ ዝመልአ ብምሉኡ እቲ ኣማኒ ይዕበ ይንኣስ ጽፉፍ ጠባይ፡ እዱብ ናብራ፡ እሩም ስጉምቲ፡ ዓይኑ፡ እዝኑ፡ እግሩ፡ ኢዱ፡ መልሓሱ፡ ገቲኡ ምሉእ ብምሉእ ወረጃ ጠባይ ኣዘውቲሩ ይነብር። ብሓቂ ህዝብና ጽያፉ ዝኸተተ ህዝቢ’ዩ። ከምቲ ኣቦታትና ንወራዙት ኣዴታት ክምስክሩለን ከሎው ዝብልዎ ፡- "ማይ ረጊጻ ጣፍ ትረግጽ" ከም ዝብሉ፣ ህዝብና ኸኣ ማይ ረጊጹ ጣፍ ዝረግጽ እሞ ርስሓትን ኣበርን ዝይለግቦ ህዝቢ እዩ።
ሎሚኸ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ኣሎ፤
ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣመንቲ ተዋህዶ ክርስትና ንእምነትና ከነኽብር፡ ንኣምላኽና ክንሰግድ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኬይድና ንብዓትና ከነጽፍፍ፡ ስለ ዝተሰውኡ ደቅና ክንጽሊ፡ ኢድ ኣቶ ዩፍታኄ ከቢዳትና ይብል ኣሎ። ኢዱ ኣርዑት ሓጺን ኮይኑ ሓኒቑና፡ ረድኤት ደሊና ንጠርዕ ኣሎና ይብል ኣሎ። ንደቅና፡ ነቶም ብርሃን ዓይናን፥ ጽንዓት ብርክናን፡ ሓጎስ ልብናን፡ ዓንዲ ሕቈና ዝኾኑ ደቅና ወፊና ብጸሎት ጥራይ ኢና ክንድበስ ንኽእል። ጥሜት ንኽእል ኢና መናብርትና’ዩ፣ ዕርቃን’ውን መናብርትና ስለ ዝኾነ፡ ክንጾሮ ንኽእል ኢና ይብል ኣሎ። ይብል’ውን ኣሎ፡ ንሕና ክንኽእሎ ዘይንኽእል፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት መጺእና ንዝተወፈዩ ደቅናን ንህዝብናን ንመንግሥትናን ኣብ ኣምላኽ ከነቕርብ ብምባል፡ ብንጹህ ልብሲ፡ ብንጹህ ሕልና፡ ብተጕላባ ዘይብላ ልቢ ጸሎትናን ቁርባንናን ከነቕርብን፡ ክንቅበልን ከሎና፡ ዝርግርግ ዘእትወልና፡ ዝንዕቀና፡ ዝጸርፈናን፡ ከም ቆልዑን ዕሸላትን ጌሩ ዝግምተና ምምሕዳር ኣብያተ ክርስትያን ስለ ዝኣተወና፡ ፍትሒ ይወሃበና ንብል። እቲ ህዝቢ ይቕየም ኣሎ። ልቢ ኣዕብዩ ትም እንተበለ ተሓጒሱ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ቅዱስ ፓትርያርክና ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተሓየሩሉን ዝሓሰሩሉን፡ ዝተቐንጠጥሉን እዋን ጀሚርና፡ ልብና ሓርሒሩ፡ ስምዒትና መሪሩ፡ ዒሕ ክንብል ከሎና “ተሓጎሙ” ዝብል ኣካይዳ ስለ ዝተገንዘብና፡ ሕጉሳት ኣይኮንናን፡ እናበለ ኣቤት! ኣቤት! ኣቤት! ኣቤት! ይብል ኣሎ።
መራሕቲ ኤርትራ ንኢድ ኣቶ ዩፍታኄ ክገትእ ህዝቢ ኤርትራ ይልምን ኣሎ። መንግሥቲ ክሰምዕ ከሎ መዓርግ ኣሎዎ። ኣብነት ህዝቢ ስለ ዝኾነ ነቲ ተግባር መንግሥቲ ዓበይቲን ነኣሽቱን ተገንዚቦም ከምቲ ኣካይዳ መንግሥቶም ስለ ዝኽተሉ፡ እቲ መንግሥቲ ብራና ህዝቡ ስለ ዝኾነ ተግባራቱ ይንበብ እዩ። ፍትሒን ሓቅነትን በቲ መንግሥቲ ዝግምግሞ ኣተሓሳስባ ዘይኮነስ፡ በቲ እቲ ህዝቢ ናተይ፡ ሪመይ፡ ቅድደይ፡ ባህለይ ኢሉ ካብ ጥንቲ ዝተኸተሎ ድሌት ህዝቢ ክፍጽም ናይ መንግሥትነቱ መለዮ እዩ።
ንጸገም ሃይማኖት ብፍትሒን ጽድቂን ሓቅነት ሪም ህዝቢን ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣመሓደርቲ ሃይማኖትን መንግሥትን ናይ ህዝቦም ጥርዓን ሰሚዖም ፍትሒ ክልግሱ ብሃንቀውታ ይጽበ ኣሎ።
ምሕጽንታ፡
፩.ንዝተደፍሩ ፓትርያርክ ኣብ መንበሮም ክድይቡ ቅዱስ መንበሮም ይመለሰሎም፥
፪.ንብረት ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ኢደ-ገበዛትን እሙናት ዓቀብተ-ንዋያትን ይመዝገብ
፫.ደረት ሓላፍነት ቤተ-ክርስትያን ምስ ናይ ዓለም መንግሥቲ ደረት ከይሕወስ ይፈላለዩ፥
፬.ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተሓየሩ ውሉድ-ክህነት ናጽነቶምን ሓርነቶምን ይመለሰሎም፥
፭.ገዳማት ኤርትራ ይከፈታ፡ መንግሥቲ ኸኣ ኣብ ንብረተን ኣብ ምምሕዳረን ኢዱ ኣየእቱ
፮.ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ንመንግሥቲ ኤርትራን ብጸሎትን ምህልላን ኣብ ዝፋን ኣምላኽ የቕርቦም።
ኣሜን።
posted on 1/11/2011
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ