ሎሚ እንተንሕተት፡ እከለ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ንጐይታና ኢየሱስ ክሰቅልዎ ከለዉ ንይሁዳን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ጲላጦስን… ምሓበርካዮምን ስቐልዎ’ዶ ምበልካ ወይስ ኣይፋለይን ትብል? ናይ መብዛሕትና መልሲ በዚ ሎሚ እንፈልጦ ዋእ!
ንጐይታና መድሓኒናስ ኢየሱስ ምሓርዎ’ ባ ምበልኩ ምበልና። እወ ቅኑዕ ፍርዲ ፈረድና! ምኽንያቱ ብዘይወዓሎ ስለ ስለዝተሰቕለ። ሎሚ ውን እዛ ሕቶ ንሕተታ ከምዘለና ኣይንረስዕ። ከመይ ጌሩ ዝብል ኣይስኣንን፡ ጽቡቕ፡ እስከ ንዝተዓዘብ በሉ፡ በዚ ዘለናዮ ዘመን ሰቀልቲ ክርስቶስ ምኻና እምበኣር ግብርና ይኸሰና ኣሎ።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወ.ማቴ 23፡29-30 “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸምበርናን፡ ትብሉ ኣሎኹም።” በሎም። እሞ በዚ ሎሚ ብዙሓት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን በዚ ተፈጢሮ ዘሎ ኩነታት እናተገፍዑ፡ ገሊኦም ኣብ ማእሰርቲ፡ ገሊኦም ኣብ ኣደባባይ ገሊኦም ኣብ ስደት ገሊኦም ኣብ ቤቶም ተሓይሮም(ናይ ገዛ እሱራት ኮይኖም)ገሊኦም ብሰማእትነት ንእምነቶም ዋጋ ይኸፍሉሉ ከምዘለዉ ናይ መዓልታዊ ተርእዮ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ግዴና ኣብዚ እንታይ እዩ? ኢልና እስከ ንነፍስና ንሕተት!
ገለ ካብዞም እንብሎም ዘሎና ብግልጺ እምበኣር፡ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ እዮም። ብጽሑፍ ካብ ዝቐረበሎም ክሲ ሹዱሽተ እየን ብወገኖም ብቑዕ መልሲ ከኣ ሂቦምለን። እቲ ክሲ ምስ መልሱ ኣብ መርበብ ተዋህዶ ንርኣዮ። እቲ ክሲ ከኣ ብማንም ካብ መዓርጎም ዘውርድ ዘይኮነስ ዘንእዶም እዩ ኔሩ። ኮይኑ ግን “ነገራ ዝደለይዋ ኣባ ጉንባሕሲ ዛግራ ይብልዋ” ከም ዝበሃል ሎሚ እንሰምዖ ዘሎና እቲ ሓቂ ዘይኮነስ፡ ቅዱስ ኣቦና ሓንሳብ ጴንጠ ኮይኖም ይበሃል ሓንሳብ ካብ ሲኣኤ ገንዘብ ተቀቢሎም ክሃድሙ ተታሒዞም ይበሃል…እንታይ’ከ ዘይሰማዕና። ከምቲ ንጐ.ኢ.ክ. ናይ ሓሶት ዘቅረብሉ ክስታት ፡ ንጉስ ኣይሁድ ዝብል ምእንቲ ንሮማውያን ክሓብርዎም ዝተጠቕሙሉ ሜላዊ ክሲ ነበረ፡ እዚ ናይ ሎሚ ናይ ሓሶት ክሲ፡ ሲኣኤ ዝብል ነቶም ናይ ፖሎትካ ሰብ ንኽሓብርዎም ኢልካ ዝተመስረተ እዩ፡ ጴንጠ(ጴንጠቆስጠ)ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ድማ ነቶም ሰብ ሃይማኖት ንኽሓብርዎም ኢሎም ናይ ኣለካ በለካ ክስታት ምሂዞም ኣብ ማሕዩር ኣእትዮሞም ከምዘልዉ ኣይንዘንግዕ። በደሎም ግን ከምቶም ሓዋርያት ኣብ ምዝጋሕ ወንጌል ክርስቶስ ስለ ዝነጠፉን ብትብዓት ንቤተ ክርስቲያን ስለዝተኸላኸሉን ጥራሕ እዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን መጻወቲ መን ኮይና ከምዘላ ከኣ ጉሁድን ብርሁን እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ ከሳስ ኣኅዋት ሰይጣን እዩ ንዕኡ ዝኽተሉ ድማ ውልዱ ይኾኑ። እሞ’ኸ ሎሚ ንነፍስና ንሕተታ ኣብከምዚ ዝኣመሰለ ውዲት ተጸምቢርና ኢድና የእቲና ሓቢርናን ንኸይንህሉ። እሞ ኣይንዘንግዕ ንንቃሕ ንተዓጠቕ። 1 ጴጥ 5፡8 “ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። …ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዂሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ።” ወ.ማቴ 23፡35 ካብ ዝበሎ ቃል ጐ.ኢ.ክ የድሕነና።
ኣብ ከምዚ ዘሎና ሰባት እምበኣር ወይልና! ወይልና! ነዚ ዘሎ ኹነታት ጓል መንገዲ ኣይንፍጠረሉ፡ ብሩህን ግሉጽን እዩ።
1) ነቶም፡ ነቲ ዝብሃል ሓሶትን ኣለካ በለካን ዘይተረጋገጸ ወረ ምድጋም ምግናንን…ወይልና! ንኣምላኽ ነቆጥዖ ከምዘለና ኣይንዘንግዕ።
2) እናፈለጡ፡ ነቲ ዝግበር ዘሎ ግህሰት ብተግባር ዝሓብሩ፡ ብሕልፊ እቶም ኣባላት ሲኖዶስ ብፍርሒ ድዩ ብጉርሒ ቅኑዕ ስጉምቲ ዘይምውሳዶም። እወ! መዓልቲ ጸብጻብ ክመጽእ እዩ፡ ፍርድኹም ክትቅበሉ ኢኹም።
3) ነቶም፡ ነቲ ሓቂ እና ፈለጥካ ስቅ ምባልን ዓገብ ዘይምባልን፡ ሓንቲ መዓልቲ ኣላ ናባና ክትመጽእ ከላ ኣውያትና ኣይክስማዕን እዩ።
4) ነቶም፡ ነቲ ሓቂ ንኽንፈልጥ ተኽእሎን ዕድልን እንከሎና፡ እንታይ ገዲሱኒ ምባል። ሕልናኻ ምሻጥ ካብ ኩሉ ዝበኣሰ እዩ።
5) ነቶም፡ ኣብ ክንዲ ፍትሒ ግፍዒ ዝህቡ ሰበ ስልጣን ወይልኦም፡ ሎሚ እንተ ዘይከፈልዎ ኣብ ደቆም ክሓልፍ እዩ።
6) ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ኣምላኽ ብጸሎት፡ ንፈጣሪ ይለምን ምእንቲ ፍትሒ። እዚ ብዘይምግባር ሳዕቤኑ ንርእዮ ኣሎና።
7) ኣቱም ካህናት ሓቂ ኣዘውትሩ፡ ወተሃደራት ክርስቶስ ምኻንኩም ኣይትዘንግዑ፡ ሓቂ ንስኹም ደው ዘይበለላ ድኣ መን ደው ክብለላ። ንቅዱስ ኣቦኹምን፥ ንመተዓይይትኹምን እንተ ክግፍዑ ከለው ስቅ ምባል ከም ዳግመ ስቅለት ክርስቶስ እዩ። ደም ንጹሕ ድማ ሃየንታ ኣለዎ።
እሞ ነዝኤን ጥቕስታት ንርኤ፡
“ማርዶካይ ድማ ንኣስቴር መሊሶም ከምዚ ኺብልዋ ለመኖም፡ ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘሎኺ፡ ካብ ኩሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፡ ንበይንኺ እድሕን ኢልኪ ብልብኺ ኣይትሕሰቢ። በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልክስ፡ ንኣይሁድ ሓገዝን ሓራን ካብ ካልእ ቦታ ኺመጽእ እዩ፡ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኢ ኢኹም። ንስኺ ኸምዚ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መጺእኪ እንተ ኾንኪ፡ መን ይፈልጥ።” መ. ኣስቴር 4፡13-14
“ፍርዲ ዚሕልዉ፡ ኲሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም።” መ.ዳዊ 106፡3
“ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።” ት.ኢሳ 1፡16-17
ኣምላኽ ናብ ቅኑዕ መገዲ ይምለሰና! እንተ ሎምስ መንገድና ሲሒትና ከምዘሎና ኣይንዘንግዕ!
ኣምላኽ ዝተባረኸ ይኹን።
ካብ ግዱስ ኣማኒ ተዋሕዶ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ