
"መንግስቲ ናይ ገበርቲ ፍቓዱ!! "ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ’ምበር፡ ጐይታይ! ጐይታይ! ዚብለኒ ዅሉ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣትውን’ዩ።" ማቴ 7፡21 እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ 3ይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሓምለ 11-16 ዘሎ ቕንያት፡ ናይ’ዚ "ዘርእ፡ ደመና፡ ጠል" ዝተባህለ ንኡስ ዘመን ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ሰንበት’ዩ።
ነዚ ቕንያት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር ድማ፡ "ንጉስ ውእቱ ክርስቶስ" (ክርስቶስ ንጉስ’ዩ) ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፡ "ክርስቶስ ንጉሥ’ዩ። ክርስቶስ ንጉሥ’ዩ፡ ዘርኢ ንዘራኢ ዚህብ መሓሪ’ዩ። ንሲሳይ እኽሊ የጸብቖ፡ ንድኻ ካብ ምድሪ የልዕሎ፡ ንሥልጣኑ ዘየሕድግዎ፡ ንጻድቃኑ ሓጐስ ዚእዝዝ’ዩ። ንሰብ ዕረፍቲ ኽትከውን ሰንበት ዝሠርዐ፡ ፈጣር ሕይወት’ዩ። በብዓመት ክረምቲ ይኸፍት ክርስቶስ ንጉሥ’ዩ፡ ክርስቶስ ንጉሥ’ዩ። ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼርእይ፡ ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፡ ጽድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ። ሰንበት ንዕረፍቲ ሠርዐ፡ በብዓመት ክረምቲ ይኸፍት። ማለት’ዩ። ካብ ትሕዝቶ ናይ’ዚ መዝሙር’ዚ ኸም ’ንግንዘቦ፡ እዚ ብተፈጥሮን ኣብ ተፈጥሮን ዚግበር ዅሉ ግብርታት፡ ናይ ክርስቶስ ንግስነት ከም ዜረጋግጽን ከም ዚገልጽን ነጊሩና ኣሎ። ክርስቶስ፡ ንጉስ ናይ ኵሉ ፍጥረት’ዩ። ንግስነት፡ ናይ ስልጣን ማዕርግ‘ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ልዕሊ ፍጥረቱ ዘለዎ ምሉእ ስልጣን ዜረጋግጸልና ቓል’ዩ። ንጉስ ፍጥረት ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ግኡዝን ህያውን ፍጥረት ዚናበረሉ ሕጊ ሰርዓሉ። ልዕሊ ፍጥረትን ሕግታቱን ስለ ዝዀነ ድማ፡ ነቲ ሕጊ ለዊጡ ከም ፍቓዱ ኺእዝዞ ምሉእ ስልጣን ኣለዎ። እንተ ደለየ ኼጽንዖ፡ እንተ ደለየ ኼናውጾን ኬጥፍኦን’ውን ብዓል ስልጣን’ዩ። ንጉስ ኵሉ ፍጥረት ምዃኑ ድማ ኣብ’ተን ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብኣካለ ስጋ ዝተጋህደለን ዓመታት ብግብሪ ኣረጋጊጹ’ዩ። ማዕበላት ባሕሪ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ ኣብ ዘጨነቐሉ ኣጋጣሚታት፡ ንሰብ ከም ዚግናሕ ገይሩ ነቲ ግኡዝ ንፋሳትን ማያትን ምስ ገንሖ፡ ከም ቕጽበት ዓይኒ ዓብዪ ህድኣት ሰፈነ። ንሒደት እንጌራን ዓሳን ንኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ህዝቢ ኣጽጊቡ ሾብዓተ መሶብን 12 መሶብን ከም ዚተርፍ ናይ ምግባር ስልጣኑ ኣግሃደ። ንጽሩይ ማይ ዔላ፡ ፍሉይ መኣዛ ናብ ዘለዎ ወይኒ ብምልዋጥ፡ ንጉሳዊ ኽብረቱ ኣርኣየ1። ኣብ ልዕሊ ሞትን ሕማምን ኣጋንንትን ዘለዎ ናይ ንግስነት ስልጣን’ውን ብግብሪ ኣመስኪሩ’ዩ2። ብመሰረት’ቲ "ኵሉ ብእኡ ዀነ፡ ካብ’ቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን" ዚብል ቃል፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ዝተገብረ ዅሉ ተኣምራት፡ ብእኡ ብእግዚአብሔር ወልድ ዝተገብረ ምዃኑ ዜረጋግጸልና’ዩ፡ 3። ብዛዕባ ዘመነ ክረምት ንዛረብ ስለ ዘለና፡ እቲ ’ንረኽቦ ዀነ ’ንስእኖ ዝናም ክራማት፡ ንፋሳት ወዘተ ስልጣንን ንግስነትን ናይ ክርስቶስ ዜረጋግጹልና’ዮም። ብዛዕባ’ቲ ኻብ ክራማት ’ንረኽቦ እኽሊ ጥራሕ’ምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሌና፡ ኣብ ልዕሊ ወቕትታትና፡ ኣብ ልዕሊ ምድርናን ዕዮ ኣእዳውናን ዘሎ ንግስነት ክርስቶስ ዘይንሓስብን ብዛዕባኡ ድማ ንንግስነቱን ንሕያውነቱን ዚምጥን ክብርን ምስጋናን ዘይንህብ እንተ ዄንና፡ ብድንቍርና ጸልሚትና ብኽሕደት ድማ ነዊርና ኸም ዘለና ዜረጋግጸልና’ዩ። ብስልጣኑ እናተመሓደርካ፡ ካብ ኢዱ እናበላዕካ ኽነስኻ፡ ንልኡላዊ ስልጣኑ ዀነ ንዕዙዝ ሕያውነቱ ዚኸውን ምስጋናን ክብርን ዘይብልካ ኻብ ምዃን ዚኸፍእ እንታይ ካልእ ክሕደት ኣሎ፧ እምበኣር ዘመን ክረምት፡ ንኸስዐና ዚኸውን ምግቢ ኺህበና ጥራሕ ከም ዝተሰርዐ ጌርካ ምሕሳብ፡ ናይ በሃም እንስሳ ኣተሓሳስባ’ዩ። ነቲ ተፈጥሮ ብዛዕባ ስልጣንን ንግስነትን ናይ ክርስቶስ ዜመሓላልፎ መልእኽቲ ምንባብን ምስማዕን ድማ፡ ብኣርኣያ ሥላሴ ናይ ዝተፈጥረ ምሉእ ሰብ ረዚን ኣተሓሳስባን ምስትውዓልን’ዩ። እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ቕንያት’ምበኣር፡ ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ዝተጋህደ ንግስነት ክርስቶስ ’ነስተንትነሉን ንኣምላኽ ’ነመስግነሉን ስለ ዝዀነ፡ "ዘመነ ንጉስ"’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ዚ ናይ ማቴ 7፡21-ፍጻመ ንባብና ዝተወስደ’ዩ። ካብ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት ኣትሒዙ ዚንበበልና ዘሎ ኽፍሊ ወንጌል እንተ ደኣ ነስተብህለሉ ኣለና ዄንና፡ “ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዚምልከት” ትሕዝቶ ኣለዎ። መልእኽቲ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ሓደ (ተመሳሳሊ) ኣርእስቲ ምስ ዚቐርብ፡ ኣዘውቲርና ኽንሓትቶ ዘለና ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ኣሎ። ንሱ ኸኣ "ስለምንታይ’ዩ እግዚኣብሄር ብዛዕባ’ዚ መልእኽቲ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ደጋጊሙ ዚዛረበና ዘሎ፧" ዚብል’ዩ። እዚ ምድግጋም’ዚ ነቲ ኣብ መጽሐፈ እዮብ እተጻሕፈን ነቲ ልቢ ኣምላኽ ዘማራይ ንጉስ ዳዊት ዝበሎ ሓሳባትን ኬዘክረናን ብእኡ ኣቢልና ኣነባብራናን ንቓል እግዚኣብሄር ዘለና ኣሰማምዓን ኣተረጓጕማን እንመሃሮ ትምህርቲ ኣሎ፡ "ሰብ ደኣ ኣየቕልብን’ዩ’ምበር፥ ኣምላኽሲ ብብዙኅ መገዲ ደጋጊሙ ይዛረብ’ዩ።" እዮ 33፡14 ካ.ት "ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፡ ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ።" መዝ 62፡11 ሎሚ ኸኣ ንሕና ነዚ እግዚኣብሄር ብዘለኣለማዊ ምኽሩ ደጋጊሙ ዚዛረበና ዘሎ ትምህርቲ፡ መንፈሳዊ ዘርኢ’ዩ’ሞ፡ ሰላሳ፡ ስሳ፡ ሚእቲ ፍረ እንፈርየሉ ምስማዕ ንቓሉ ደጋጊምና ኽንሰምዕን፡ ነቲ ዝሰማዕናዮ ኽንነብሮን፡ እግዚኣብሄር በቲ ዘለኣለማዊ ጸጋኡ ይደግፈናን ሓይሉ ይሃበናን! ዕላማ ናይ’ዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚዛረበሉ ዘሎ ጕዳይ፡ እቲ ብሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣትው መን ምዃኑ ንኸርእይ ኢሉ’ዩ እዚ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ሎሚ፡ ሓደ ሕቶ ነንርእስና ንሕተት፡ "ሎሚ መዓልቲ፡ መገዲ ዅሉ ሰብ (ሞት) እንተ ዝኸይድ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝኣትው ትብዓት ዜውህቡኒ ዝኸድክዎ ኣካይዳ፡ ዝነበርክዎ ናብራ እንታይ ኣሎ፧" መልስና "ቤተክርስቲያን እኸይድ፡ እጽልይ፡ <ጐይታይ፡ ጐይታይ> እብል፡ አመጽውት፡ እጸውም፡ አገልግል ወዘተ…" ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ግና መንግሥቲ ኣምላኽ ክንኣትው እኹል መሠረት’ዶ ይኸውን፧ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣመልኪቱ ዘቐመጠልና መለክዒ ሓደ’ዩ፡ ንሱ ኸኣ "ኵሉ፡ <ጐይታይ፡ ጐይታይ፡> ዚብለኒ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣይኣትውን’ዩ፡ ፍቓድ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡" ዚብል መዐቀኒ’ዩ። እቶም ብሓቂ ዜጋታት መንግሥቲ ኣምላኽ ዝዀኑ፡ እቶም ብእተለወጠ ልቢ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ዚፍጽሙ ደኣ እምበር እቶም ጐይታይ፡ ጐይታይ ዚብልዎ ኣይኰኑን።
ከንቱ ተኣምኖ ዜስዕቦ ሓደጋ፦ ኣብ’ዚ ጐይታና ንምንጽጻር ኣቕሪብዎም ዘሎ እቶም "ጐይታይ፡ ጐይታይ" ዚብሉ፡ እቲ ዚብልዎ ዘለዉ ቕኑዕ ዘረባ እዩ። ቅኑዕ፡ ስነ-መለኮታዊ ሓቂ ዘለዎ ቓላት እዩ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጵስዩስ ኣብ ዝጸሓፈሎም ደብዳቤኡ ዝበሎም፡ "ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኣቦ ኸኣ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝዀነ፥ ብጋህዲ ኺእመን’ዩ"4። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ምዃኑ፡ ልዕሊ ዅሉ ገዛኢ ምዃኑ፡ ናይ ኵሉ መላኺ ምዃኑ፡ ምእማን፡ ሓቀኛ ትሕዝቶ ዘለዎ ምእማን’ዩ። እዚ ምእማን’ዚ ግና ከምቲ ኣብ ቃል እግዚኣብሄር እነንብቦ፡ ክፉኣት መናፍስቲ፡ ኣጋንንቲ ኣገልገልቲ ሰይጣን’ውን ዚእመንዎ ምእማን እዩ፡ ስለ’ዚ ኽንየው’ዚ ተኣምኖ’ዚ፡ እግዚኣብሄር ካባና ዚጠልቦ ኸም ዘሎ ኢና ኣብ’ዚ ሓሳብ ’ንርዳእ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነዊሕ ዕምሪ ዘለና፡ ኣብኡ ዝዓበና ኽንከውን ይከኣል’ዩ፡ ክርስትያናዊ ልሳንን ኣዘራርባን ኪህልወና’ውን ይከኣል’ዩ፡ እዚ ማለት፡ "ከመይ ሓዲርኩም፧" ምስ ተበሃልና፡ "እግዚኣብሄር ይመስገን" ኢልና ’ንምልስ ክንከውን ዚከኣል’ዩ። መዝሙር ክንዝምር፡ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ኽንጽልይ፡ ክንሰብኽን ክንምህርን ይከኣል’ዩ። እዚ ግና መንግስቲ ኣምላኽ ከም እንኣትው ዜረጋግጸልና ንጥፈታት ኣይኰነን። ነዚ ውሕስነት ምእንቲ ኼውህበና፡ ንርእስና ኽንሓትቶ ዘለና ሕቶ፡ "ናብራ ክርስትናይ ብመልሓሰይ/ብልሳነይ ድዩ ወይስ ብህይወተይን ኣነባብራይን ይግለጽ፧"፡ "ሰሙን ምሉእ፡ ቃላተይ ከይሰምዐ/ት፡ ኣነባብራይ ጥራሕ ዚዕዘብ ሰብ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝበቅዕ ምዃነይ’ዶ ምመስከረ/ት፧"ን ከምኡ ዝኣመሰለን ሕቶታት’ዩ። ኣብ’ዚ ሓሳብ እነዘኻኽሮ ሓቂ ግና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንተኣምኖ ንዒቑ፡ ብቓላት ኣፍና ንእንእመኖ ምእማን "ኣገዳሲ ኣይኰነን" ዚብለና ዘሎ ኺመስለና የብሉን። መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቓሉ ንዚእመኖ፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ሰማዊ ኣቦኡ ኸም ዚእመኖ፡ ኣረጋጊጹ ነጊሩና’ዩ5። ኣብ’ዚ ’ንመሃሮ ዘለና ቓል እነረጋግጾ ሓቂ እንተሎ ግና፡ ለውጢ ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ዘይብሉ "ተኣምኖ" ከንቱ ምዃኑ’ዩ ዜቃልዕ ዘሎ።
ሕላገት’ቶም ብሓቂ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ፦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕር’ቲ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኣትዉ ሰባት መን ምዃኖም እተዛረቦ፡ እቲ ማእከላይን ኣገዳስን ሓሳብ መልእኽቱ’ዩ ኣቕሪቡ። "መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኣትው ሰብ፡ እዚ’ዩ" ጥራይ ኢሉ መልእኽቱ ኣይዛዘመን። እዚ ኸኣ ቅዱስ ጽሑፍ ብዘጽናዕናሉ ዕምቈትን መጠንን እንመሃሮ ባህርይ እግዚኣብሄር’ዩ። ጠልጠል ዝበለ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣይገድፍን’ዩ። "ካብ’ዚ ውጻእ" ምስ በለ፡ ምስኡ "ናብ’ዚ እተው" ይብል፣ "እዚ ግደፍ" ምስ በለ "እዚ ኸኣ ሓዝ" ይብል፣ "እዚ መርገምን ሞትን የስዕብ" ምስ በለ "እዚ ድማ በረኸትን ህይወትን የስዕብ" ብምባል ንጹርን እንኸደሉ መኣዝንና ’ንፈልጠሉን ኣባታዊ መልእኽቲ’ዩ ዝህበና። ኣብ’ዚ መልእኽቲ’ዚ ድማ "ጐይታይ ጐይታይ ዚብል ኵሉ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኣትውን’ዩ" ጥራይ ኢሉ መልእኽቱ ኣይዛዘመን፡ ከመይ ዝበለ ሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚኣትው ኣሰንዩ ገሊጹልና ኣሎ። ናይ’ቲ "መን’ዮም መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣትዉ፧" ዚብል መልእኽቲ ሕመረት ከኣ "ፍቓድ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብሩ’ዮም" ዚብል መልሲ ሂቡና ኣሎ።
ፍቓድ ኣቦ እንታይ’ዩ፧ እቲ ሰማይን ምድርን ንሓዊ ዚሕልው ዘሎ ትኹል ቃል እግዚኣብሄር ከም ዜረጋግጸልና፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣቦ እንታይ ምዃኑ ዜርእዩና እዞም ዚስዕቡ ሰለስተ ነጥብታት ክንርእይ ኢና።
ሀ. እምነት ኣብ ወዱ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፦ እቲ ቐዳማይ ንፍቓድ ኣቦ እንእዘዞ ምእዛዝ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ከይረኣየ ካብ ሰማየ-ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ሰብ ኰይኑ፡ ምእንታና ብዘመን ጴንጠናዊ ጲላጦስ ምእንቲ ሓጢኣትና መስዋእቲ ዀይኑ ዝሞተልናን፡ ከምቲ ጽሑፋት ዝበልዎ ኸኣ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአን ምዃኑ ኽንኣምኖን፡ ኣሚንና ኸኣ ብስሙ ምድሓን ክንረክብን ከለና’ዩ 6። ምኽንያቱ "ንሱ [ኣምላኽ]፥ ኵሉ ሰብ ኪድኅንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን’ዩ ዚፈቱ።"7፡ እዚ ፍታዉ’ዩ፡ ፍቓዱ ድማ’ዩ።
ለ. ንስሓ ኻብ ሓጢኣት፡ ንስሓ ኻብ ሓጢኣት ማለት ብዘይ እግዚኣብሄር ካብ እንነብሮ ናብራ ብንስሓ ተመሊስና፡ ብዘሎ’ቲ ኽፉእ ኣተሓሳስባናን ኣነባብራናን ሓዲግና፡ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ እናፈረና ኽንነብርን8። ነቲ እተነሳሕናሉ ሓጢኣት ደጊምና ምእንቲ ኸይንፍጽሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብማሕላ፡ ኪዳን ኣቲና ኽንሓድግን፡ ንእኡ ጥራይ ምእንቲ ኽንግዛእ እምበር ንፍቓድ ስጋና ዀነ ንፍቓድ ዓለም ከይንግዛእ ፍቓድና ንእኡ ኽንህብን ከለና፡ እዚ’ውን ፍቓድ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ እግዚኣብሄር ኣቦ’ዩ።
ሐ. ፍቕርን ምእዛዝን ቅድስናን ዘለዎ ናብራ ኽንነብር፡ ብዘሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ተጻሒፉ እንረኽቦ ሕጊ ዚጥቕለለሉ ትእዛዝ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና "ብምሉእ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን ብዅሉ ሓይልናን ብዅሉ ሓሳብናን" ከነፍቅሮ’ዩ9። "እታ ኻልአይታ እትመስላ ድማ፡ ንብጻይካ [ንሰብ] ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ያ።" ድማ ወሲኹ ዝበለና ጽኑዕ ቃል’ዩ10። ነቲ በዒንትና ኽንርእዮ ዘይንኽእል እግዚኣብሄር ከም እነፍቅሮ እንገልጸሉ መግለጺ፡ ነቶም በዒንትና እንርእዮም ብኣርኣያ ስላሴ እተፈጥሩ ደቂ-ሰብ ብእነፍቅሮም ፍቕሪ’ዩ። እዚ ማለት እቲ ንእግዚኣብሄር እንእዘዞ ምእዛዝ፡ ንእኡን ንሰባትን ብእነፍቅሮ ፍቕሪ ኢና እነርእዮ ማለት’ዩ። ምስናይ’ዚ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቱ፡ "ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም።" ኢሉ ንጹር ዝዀነ ቓል ተዛሪብዎም ኣሎ11። እዚ ቕድስና’ዚ ኸኣ መርኣያ ናይ’ቲ ንጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለና እምነት (ኣቐዲምና ኣብ ሀ ዝጠቐስናዮ) ብቕድስና ኽንነብር፡ እዚ’ዩ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣቦ።
ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣቦ ምፍጻም፡ ናይ ሓደ ህሞት ፍጻሜ’ዶ ወይስ ናብራ፧ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍቓድ ኣቦ "ዝፈጸመ" ኣይበለን፡ ብዛዕባ ብፍቕዲ ተቘጺሩ፡ "ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ (ኣብ ዚቝጸር እዋናት)፡ ከም’ዚ ዝበለ ፍቓድ እግዚኣብሄር ፈጺመ ነይረ፡" ኢልና እንዛረበሉ ኣይኰነን ተዛሪቡ። ኵሉ ጊዜ (ኣዘውቲርና)፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣቦ ኽንፍጽም ከም ዝግብኣና’ዩ ምሂሩና። ሓቀኛታት ደቀመዝሙር (ሰዓብቲ) እግዚኣብሄር ምዃን፡ ፍጹማት (ዝዀነ ኣበር ዘይብሎም) ምዃን ዘይኰነ፡ ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር (ነቲ ዚስዕብዎ ዘለዉ ኣምላኽ) ዚእዘዝዎ ምዃን ማለት’ዩ። ምስ እንወድቕ፡ ናብ እግዚኣብሄር ብንስሓ ’ንቐርብ’ሞ ’ንትንስእ፡ ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ምስላኡ ዝበሎ "ጻድቕ ሰብ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንሥእ፥ . . ."12። እቲ ምውዳቕ ሓደ ጊዜ ዘይኰነ ሾብዓተ ሳዕ’ውን እንተ ዚኸውን፡ ዳግም ተንሲእና ናብ’ቲ ጓሳናን ሓላው 1 መዝ 1819፡3,42ማቴ 8፡23-27፣14፡22-33 3ማቴ 14፡15-21፣15፡32-39 4ፊል 2፡11 ካ.ት. ዮሃ 1፡1 ፣ 1ዮሃ 1፡1-2 5ማቴ 10፡32 6 ዮሃ 6፡29 ፣ 20፡31 71ጢሞ 2፡4 ካ.ት 8 ማቴ 3፡8 ፣ ሉቃ 3፡8 9ሉቃ 10፡ 27 10ማር 12፡30-33 111ተሰ 4፡3 12 ምሳ 24፡16 ካ.ት.
ነፍሳትናን ዝዀነ እግዚኣብሄር ክንምለስ ሰብ-ምሉእ-ፍቓድ ክንከውን’ዩ ዝግብኣና። ፍቓድ እግዚኣብሄር ምፍጻም መዓልታዊ ናብራና’ዩ ኪኸውን ዚግባእ። ስለ’ዚ ኻብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ፡ ካብ ካልኢት ናብ ካልኢት እንነብሮ ዘበለ ናብራና፡ ኣብ ቀጽሪ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከም ዘለና እናሻዕ ርእስና ኽንምርምርን ክንፍትሽን ይግብኣና።
ምእዛዝ (ምፍጻም ፍቓድ እግዚኣብሄር) ዘይብሉ፡ " ክርስትያናዊ-መሰል ንጥፈታት፦ ኣብ’ዚ ሎሚ እተነብበልና ኽፍሊ ወንጌል፡ መንፈሳዊ" ካብ’ዚ እንዛረበሉ ዘለና ፍቕዲ ቐጺሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝበለና ምስ እነንብብ "በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙኃት ‘ጐይታይ! ጐይታይ! ብስምካ’ዶ ትንቢት ኣይተዛረብናን፧ ብስምካ’ዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ተኣምራት’ዶ ኣይገበርናን፧’ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፥ ከቶ ኣይፈልጠኩምን እየ [ኣይፈለጥኩኹምን]፥ ካባይ ርሓቑ!’ ክብሎም’የ።"13 ኢሉ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እቶም ፍቓድ እግዚኣብሄር ዚፍጽሙ ደኣ’ምበር ከም’ዞም ጠቒስዎም ዘሎ፡ ንሱ ዘይፈልጦም (ንሱ ዓመጻ ይፍጽሙ ኸም ዘለዉ እናረኣየ)፡ ንሳቶም ግና ጽቡቕ ዘለዉ መሲልዎም፡ ብስሙ ትንቢት ዚንበዩ፡ ብስሙ ኣጋንንቲ ዜውጽኡ፡ ብስሙ ብዙሕ ተኣምራት ዚገብሩ፡ መንግስቱ ኸም ዘይኣትዉ፡ በቲ "ካባይ ርሓቑ" ዝበሎም ቃል ነረጋግጽ። ሎሚ ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ኣእዳውና ናብ ካልኦት ከነወጣውጥ ዘይኰነ፡ ናብ ርእስና ኸነመልክትን ምእንቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከይንዅነን፡ ኣብ ርእስና ኽንፈርድን ይግብኣና’ዩ። እግዚኣብሄር ልዕሊ ዅሉ’ቲ ንእኡ ነቲ ዅሉ ዚርእይ፡ ሓንቲ ኸም ዘይርእይ ክሳዕ ዚመስል፡ ከነርእዮ ’ንጽዕሮ መንፈሳዊ ንጥፈታትና፡ ንእኡ ኽህልወና ዘለዎ ፍቕርን ምእዛዝን’ዩ ኻባና ዚደልይ። ኣብ መሰረት ፍቕርን ምእዛዝን ዘይተመስረተ "መንፈሳዊ/ክርስትያናዊ" ንጥፈት ኵሉ፡ ብእግዚኣብሄር "ዓመጽቲ" ተባሂልና ’ንጽውዓሉ ’ምበር፡ ናእዳ ዀነ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይንወርሰሉ ምዃኑ ፈሊጥና፡ ብምስትውዓልን ፍቓድ እግዚኣብሄር እናፈጸምናን ክንነብር’ዩ ጐይታና ኢየሱስ ምዒዱና።
መጀመርታ ሕብረት ምስ እግዚኣብሄር፡ ፍረኡ ድማ ምእዛዝ መንግስቲ ኣምላኽ ናይቶም ፍቓድ እግዚኣብሄር ዚፍጽሙ ጥራይ እንተ ደኣ ኰይና፡ ከመይ ጌርና ኢና ፍቓዱ ኽንፍጽም ’ንኽእል፧ ኢልና እንተ ሓተትና፡ ሓጺር መልሱ፡ ምስኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብምሕባር ኢና ፍቓዱ ኽንፍጽም ’ንኽእል። ምስ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንሓብር፡ ንእኡ ኽንፈልጦ ይግብኣና። ብዛዕባ እግዚኣብሄር ምፍላጥን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን ብዙሕ ፍልልይ ዘለዎ ኽልተ ኣምራት’ዩ። ነብዪ ሆሴእ ብዛዕባ ንእግዚኣብሄር ምፍላጥ እዚ ዚስዕብ መልእኽቲ ተዛሪቡ፡ "ንእግዚኣብሔር ንፍለጦ፥ ክንፈልጦ ድማ ንስዓቦ።. . ."14። ብኸመይ ኢና ንእግዚኣብሄ ’ንፈልጦ፧ ንዚብል ሕቶ’ውን መልሱ እንሆ፡ ተነጊሩና። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ኣብ መልእኽቱ "ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፥ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፥ ኣርኣያውን ኃደገልኩም።"15፡ እዚ ኽፍሊ’ዚ ብቛንቋ ግእዝ "እስመ ወበአንተ ዝንቱ ተጸዋዕክሙ እስመ ክርስቶስኒ በእንቲአክሙ ሐመ ይኅድግ ለክሙ ማዕተቦ ከመ ትትልዉ አሰረ ዚአሁ።" ይብል። እቲ እግዚኣብሄር ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝሓደገልና ኣርኣያ (ማዕተብ)፡ እቲ ኣብ ክሳድና እንኣስሮ ገመድ መስቀል ኣይኰነን፡ ንሱ ምሳሌን ምልክትን ኪዀነልና ደኣ ’ምበር ኵልና ኣብ ክሳድና ማዕተብ መስቀል ዝኣሰርና ዘበልና ብሓቂ ሰዓብቲ እግዚኣብሄር ምዃንና መረጋገጺ ኣይኰነናን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ "ብግዳም ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይትገብርን እያ፥ እታ ብግዳም ኣብ ሥጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። ከመይ ኣይሁዳዊ ማለት እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝኾነ እዩ። ግዝረት ከኣ ብሕጊ ዘይኮነስ እታ ብመንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልቢ እትግበር’ያ። ከምዚ ዝመሰለ ሰብ ምስጋናኡ ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር ካብ ሰብ ኣይኰነን።" ኢሉ ኸም ዝጸሓፈልና16። ብግዳም እንለብሶ ማዕተብ ዘይኰነስ እቲ ብውሽጢ ማዕተብ ክርስቶስ እንስዕቦ ምስዓብ’ዩ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ ዜዕብየና። እሞ’ኸ ደኣ እግዚኣብሄር ክንስዕቦ ዝሓደገልና ኣሰር እንታይ’ዩ፧ ኣሰር ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ (ሰላም)፡ ዓቕሊ (ትዕግስቲ)፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል (ርእስኻ ምግታእ)17። እዚ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ብምባል ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዘርዚሩልና ዘሎ ኣብ ባህርያትና ኽንፈርዮ ዘለና ፍረ’ዚ’ዩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንስዕቦ ሓዲጉልና ዝኸደ ኣሰር። ነብዪ ሚክያስ’ውን "እመቦ ዘነገረከ ሰብእ ምንት ሠናይ ወምንተ ይፈቅድ እግዚአብሔር እምኔከ ዘእንበለ ከመ ትግበር ጽድቀ ወታፍቅር ምጽዋተ ወትኩን ጥቡዐ ከመ ትትልዎ ለእግዚአብሔር አምላክከ፧" ኪትርጐም ከሎ ኸኣ ". . . እግዚኣብሔር ሠናይ ዘበለ ኣፍሊጡና ኣሎ። እወ፥ ቅንዕና ኽንገብር፥ ምሕረት ከኣ ኽንፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽውን ብትሕትና ኽንነብር እንተ ዘይኮይኑ ኻባና ዚደልዮ ሓንቲ እኳ የልቦን።" ይብለና18። እዚ ፍረ’ዚ ብምፍራይ ከኣ ኢና ብዛዕባ’ቲ ንእግዚኣብሄር ዘሎና ምእዛዝ ንህይወትናን ንፈጣሪናን ክንምስክር እንኽእል። እዚ ፍረ’ዚ ብምፍራይና ንሕና ጥራይ ኣይኰንናን ንእግዚኣብሄር ከም እንፈልጦ ዚምስክረልና። መወዳእታኡ’ውን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ፍረ’ዚ’ዩ ኺፈርደና’ሞ ኣብኡ (ኣብ እግዚኣብሄር) እተፈለጥና ኽንከውን ምእንቲ’ውን ኢና፡ ፍረ መንፈስ ክንፈርይ ዜድልየና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ "ኣነ ሓሬኹኹም’ምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሓሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹም’ውን ነባሪ ኪኸውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም።" ኢሉ’ዩ ኣባና ዘለዎ መደብ ኣረጋጊጹልና19። ሎሚ ነዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣባና ዘለዎ መደብ ንምትግባርን ንምፍጻምን ክሳዕ ክንደይ ድሉዋት ከም ዘለናን፡ ብጉሳት ምዃንናን ርእስና ንመርምር። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንፈልጦ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሱ ድማ ብእንፈርዮ ጽቡቕ ፍረ ምእንቲ ኽፈልጠና፡ በዚ ድማ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ብቑዓት ክንከውን ሎሚ ብቓሉ ይምዕደናን ይመኽረናን ኣሎ’ሞ፡ ንምእዛዝን ንምስማዕን ቃሉ ልብና ኸነዳልው ይግብኣና።
ኣብ መዓልታዊ ናብራና ንቓል እግዚኣብሄር ምንባር፦ እምበኣርከስ ፍቓድ እግዚኣብሄር ምፍጻም ጥራይ እንተ ደኣ መንግስቲ ኣምላኽ ዜውርሰና እንተ ደኣ ኰይኑ፡ ሓደ ኽንዘኻኸሮ ዘሎና ነገር ኣሎ። እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን እነሕልፎ ጊዜ ምስ’ቲ ካብ ቤተ-ክርስቲያን ወጻኢ እነሕልፎ ኸነነጻጽሮ ኸለና፡ ኣዝዩ ሒደት’ዩ። ምስ’ዚ ኣተኣሳሲርና፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ምፍጻም፡ ኣብ ከባቢ ቤተ-ክርስቲያን ጥራይ እንዝክሮን ክንፍጽሞ እንተባባዕን ኪኸውን ኣይግባእን’ዩ። እቲ ብቓል እግዚኣብሄር ኣብ ቤተ-ክርስቲያን እንመሃሮ ፍቓድ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ኽንፍጽሞን ክንነብሮን’ዩ ዝግብኣና። ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ኣብ ህይወትና "እግዚኣብሄር ኣቦ ኣብ’ዚ ዘለኽዎ ዅነታት ካባይ እንታይ ይደልይ/ይጽበይ፧" ኢልና ንርእስና ንሕተት። ኣብነት ዝዀኑና ዅነታትን ኣብ’ዞም ኵነታት ከኣ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑን ብምዝርዛር መልእኽትና ኽንዛዝም።
ግርጭት ምስ ዜጋጥመና፦ ፍቓድ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽንብል፡ ሓቂ፡ ዕርቂ፡ ከምኡ’ውን ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ምንባር’ዩ’ሞ፡ ከም ፍቓዱ ንንበር።
ንንጹህ ኣካይዳ ዚምልከት፦ ፍቓድ እግዚኣብሄር ብቕድስና ኽንመላለስን ክንነብርን ደኣ ’ምበር ብሕቡእ ሓጢኣት ክንፍጽም ኣይኰነን’ሞ፡ ጽድቅን ቅድስናን እናሰዓብና ብንጽህና ንንበር።
መዝገብን ትሕዝቶን ኣብ ዚምልከት፦ ፍቓዱ ቕንዕናን ልግስን ይኣኽለኒ ምባልን ስለ ዝዀነ፡ ብእኡ ንንበር። ኣብ ውሳኔታትና፦ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደልይ እዚ’ዩ ፍቓዱ’ሞ ቅድሚ’ቲ "ናተይ" ’ንብሎ ምሾትን ዕግበትን፡ መንግስቱን ጽድቁን ንድለይ።
ኣብ ’ንነብረሉ ኣከባቢ (ምስ ስድራቤትናን ጐረባብትናን)፦ ብፍቕርን ትሕትናን ንሓድሓና ብምግልጋልን ክንነብር’ዩ ፍቓድ እግዚኣብሄር። ወዘተረፈ… ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ምምልላስና፡ ብዛዕባ’ቲ ’ንሰምዖ ቓል ኣፍና መጺና እንተ ኸድና፡ "ጥዑም ኣስተምህሮ ነይሩ፡ ንኣቦና ቃለ-ሕይወት የስምዓልና" እንተ በልና፡ "ጐይታይ፡ ጐይታይ" እንተ በልና፡ መንግስቲ እግዚኣብሄር ንምእታው ውሕስነት ኣየውህበናን’ዩ። እቲ እንኮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ውሕስነት ዚህበና፡ እዚ ጐይታና ኢየሱስ ብቓሉ ነጊሩና ዘሎ፡ እታ መንግስቲ ናይ’ቶም ገበርቲ ፍቓዱ’ያ’ሞ፡ ሎሚ ንምፍጻም ፍቓድ እግዚኣብሄር ርእስና ብምልኣት ንወፍይ። እግዚኣብሄር ይደግፈና።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
18 ሓምለ 2026 | ሓምለ 12, 2018 ግዕዝ (መበል 45 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: 136 : 25 - 26 / መዝ ፻፴፭ : ፳፭ - ፳፮ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ንዅሉ ስጋ ዚምግብ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ። ዘይሁብ ሲሳየ ለኵሉ ዘሥጋ፤ እስመ ለዓለም ምሕረቱ፤ ግነዩ ለአምላከ ሰማይ። ወይ / ዓዲ መዝ 104 : 13 - 15 / መዝ ፻፫ : ፲፫ - ፲፬ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፣ ንእንስሳስ ሳዕሪ፣ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ። ዘያበቍል ሣዕረ ለእንስሳ፤ ወኀመልማለ ለቅኔ እጓለ እመሕያው፤ ከመ ያውፅእ እክለ እምድር። |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| 2ቆሮ 9 : 5 - ፍም |
ዲያቆን |
|
| ያዕ 3 : 13 - ፍም |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 27 : 18 - 26 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማቴ 7 : 21 - ፍም |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ (ነአኩተከ) | መዝሙር፦ ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ