S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍትወትኩም ምለኹ (መበል 25 ሰንበት: ቊ.፳፭/25, 2025 | 2017 ግዕዝ

ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ምንዝርናን ኽትርሕቁንዩ። ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ (ኣረማውያን) ኣህዛብ ድማ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ። . . . ከም ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘስማዕናኩምን፡ ናይ ዅሉ ነገራት ፈዳይ ሕነ ኣምላኽዩ። (ምኽንያቱ) ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር ጸዊዑና። እምበኣር እቲ ነዚ ዘይቅበል፡ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዚህበኩም ኣምላኽምበርን ንሰብ ኣይኰነን ምቕባል ዚኣብይ ዘሎ።” 1ተሰ 43,5-8 .

እንሆ ዕለት ካልኣይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾምዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዚ ዘለናዮ ኻልኣይ ሰንበትን ሰሙንንዚ፡ቅድስትተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣርእስቲ ናይ ብቕዱስ ያሬድ ነዚ ዕለት ዝተሰርዐ መዝሙር ሰንበት ከኣግነዩ ለእዚኣብሄር (ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ)” ዀይኑ፡ ነቲ ምስባኽ ናይ ዕለት ዝዀነ ናይ መዝ 10512,2 ጥቕሲ መሰረት ዝገበረዩ።

ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፡ ግብርታቱ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣውርዩ። ዘምሩሉ፡ ኣመስግንዎ፡ ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛረቡ።መዝ 1051,2

ካብ ዝተፈላለየ ኻልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ ትሕዝቶውን ዘለዎ መዝሙርዩ። ጽድቂ ኽንገብር፡ ንሃብትና ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ኣብ ሰማያት ከነቐምጥ፡ ኵሉ ጊዜ ድሉዋት ኴንና ኽንነብር፡ ነቲ ክርስቶስ ተቐሚጥዎ ዘሎ ነቲ ናይ ላዕሊ ጥራይ ክንሓስብን ክንደልይን፡ ነታ ምእንቲ ሰብ ዝተፈጥረት ቅድስቲ ሰንበት ክነኽብራ ዜተሓሳስብ ናብ ቅድስና ዘድሃበ መልእኽቲ ዝሓዘ (ማቴ 619-21 ቈሎ 31-3 ማር 227) እቲ ነዚ መዝሙር መሰረት ገይሩ ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳንውን ናይ ቅድስና መልእኽቲ ዘለዎዩ።

እዛ ሰንበትን ሰሙንንዚኣቅድስትዝተባህለትሉ ምኽንያት ክልተዩ። ቀዳማይ ምኽንያት፡ እዛ ኣቲናያ ዘለና ጾመ ኢየሱስቅድስቲ ጾምስለ ዝዀነት፡ እዛ ንሕናውን ብደረጃ ቤተ ክርስትያን ኰነ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እንጾማ ዘለና ጾም፡ ቅድስቲ ጾም ክትከውን ከም ዚግብኣ ንኼመልክተናዩ። ነብዪ ዮኤል ንጾም ኣመልኪቱ፦

እግዚኣብሄር እምበኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ። ክዳንኩም ዘይኰነስ ልብኹም ቅደዱ፡ ይብል ኣሎ። . . . ኣብ እምባ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፡ ጾም (ቀድሱ) ኣኼባ ጸውዑ። ህዝቢ ኣክቡ፡ ቅዱስ ጉባኤ ኸም ዘሎ ንገሩ፡ ኣረገውቲ ኣክቡ፡ ቈልዑን ጡብ ዚጠብውን ኣክቡ። መርዓዊ ኻብ ቤቱ ይውጻእ፡ መርዓት ከኣ ካብ ሕልፍኝኣ ትውጻእ።ኢሉ ቓል እግዚኣብሄር ጽሒፉልና ኣሎ (ዮኤ 212,13,15,16) እዚ ቓልቕዱስ ጾምእንታይ ማለት ምዃኑ ብንጹር ኣርእዩና ኣሎ። ብብኽያትን ብልባውን ግብራውን ንስሓ ዘይተሰነየ ጾም፡ ምስ ጾም ክትሰርዖ ዚኸብድዩ። ዝዀነ ይኹን ዘመነ ጾም፡ ናይ ሓዘን ጊዜ ኪኸውን ዚግባእ። ብዛዕባ ሓጢኣትካን ሓጢኣት ህዝብኻን ብብርቱዕ ሓዘን፡ መሪር ብኽያትን እናበኸኻ ልባዊ ንስሓ እናኣተኻ ኪጽለየሉ ዚግባእ ዘመንዩ። ልቢ፡ ብንስሓ ዚቕደድ። ንኸስዐኻ ብእኽለ ማይ ቀጺዕካ፡ ልብኻ ግን ከይተተንከፈ ኸም ዝነበሮ ዚቕጽል እንተ ዀይኑ፡ ናይ ጾምካ ቅዱስነት ኣብ ምልክት ሕቶ ኸም ዚኣትው ከቶ ዘየጠራጥርዩ።

እቲ ጾምናቅድስትዝተባህለሉ ኻልኣይ ምኽንያት ከኣ፡ ናትና ናይቶም ጸወምቲ ቕድስና ኣገዳስን ኣድላይን ከም ዝዀነ ንኼመልክትዩ። ስለ ድማ እቲ ናይ ዕለት ንባባት ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ናይ ውልቅና ቕድስና ዜመልክት ኰይኑ ተሰሪዑልና ኣሎ። ምኽንያቱ ዓይነት ህይወትና ኣብ ዓይነት ናይ ጾምና ሓያል ጽልዋ ኣለዎ። ናይ ርኹሳት ሰባት ጾም፡ ቅዱስ ጾም ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ርእስና ብጾም ቅድሚ ምጽማድና፡ ገዛእ ህይወትና ብዕቱብ ክንምርምር ዜድልየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ብቕድስና ዘይተሰነየ ጾም፡ ጾም ዘይኰነስ ትርጕም ኣልቦ ምግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ዚኸውን። ካብ ቅድስና ዚፈልየና፡ እቲ ኣብ ስጋና ተደጕሉ ዚፈታተነና ፍትወት ስጋና ስለ ዝዀነ፡ ጾምና ቅዱስን ቅቡልን ምእንቲ ኪዀነልና፡ ፍትወት ስጋና ኸም ዝደለዮ ኺመልከናን ናብ ዝደለዮ ኺመርሓናን ዘይኰነስ፡ ንሕና ባዕላትና ንፍትወትና ብዕቱብ ክንመልኮን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ከነግዝኦን፡ ንኽብሪ ኣምላኽናን ንዘለኣለማዊ ረብሓናን ከም ዜገልግል ጌርና ኽንመርሖን ከነማእዝኖን ይግብኣና። እዚ ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ድማ፡ ዕዉትን ቅቡልን ጾም ንኽንጸውም ዝተሰርዓልና ኣገዳሲ ትምህርቲዩ።

ፍትወት ስጋ ግን ንምንታይ ኽሳዕ ክንዲ ኽፉእን ሓደገኛን ኰይኑ፧ ብመሰረቱኸፍትወት ስጋእንታይ ማለትዩ፧ መብዛሕትኡ ጊዜ ፍትወት ስጋ ዚመስለና፡ እቲ ንኽልቲኡ ዓይነት ጾታ ብዘይ ምቝራጽ ዚፈታተን ጾታዊ ስምዒት ጥራሕዩ። ብርግጽ ጾታዊ ስምዒት እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ፍትወት-ስጋ ምዃኑ ዘይከሓድዩ። እቲ ዜሕዝን ጌርና ግን፡ ነቲ ኻልእ ኵሉ ዓይነታት ናይ ፍትወት ከም ዘሎ ኸየለለናዮን ከይኣመንናሉን ንነብር ምህላውና፡ ንሱ ድማ እናኸብከበ ናብ ገሃነም ይመርሓናን የጥፍኣናን ምህላውዩ። ነቲ ናይ ዝሙትን ምንዝርናን ሓጢኣት ብኣካል ብግብሪ ስለ ዘይፈጸምናዮ ጥራሕ፡ ንርእስና ኣብ ቅድስና ኸም ዘላ ኽሳዕ ምድምዳም ንበጽሕ ስለ ዘለና፡ እዚ ግጉይ መረዳእታ ቐንዲ ጠንቅን ምንጭን ናይ ርኽሰትና ይኸውን ኣሎ።

ፍትወትማለትፍቓድ፡ ድልየት፡ ባህጊ፡ ትምኒት፡ ሓሳብ ወዘተማለትምበር፡ ካልእ ትርጕም የብሉን። ስለ ሰብ ከም ስጋ ዝለበሰ ፍጡር መጠን ዚደልዮም ኵሎም ድልየታት፡ፍትወት ስጋ፡ ፍቓድ ስጋ፡ ትምኒት ስጋ፡ ድልየት ስጋ፡ ባህጊ ስጋ፡ ሓሳብ ስጋኢልና ኺጽዋዕ ይከኣልዩ። ኵላቶም ተተኻኻእቲ መለሳ-ቓላት (Synonyms)’ቶም። ናይ ሰብ ድልየትን ፍቓድን ድማ ጾታዊ ስምዒት ጥራሕ ኣይኰነን። ኣዝዩ ብዙሕ ካልእ ናይ ስጋ ፍትወትን ፍቓድንውን ኣሎና። ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍትወት ፍቓድን ዘሎካ ምዃን ኣካል ተፈጥሮና ስለ ዝዀነ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን። ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ናይ ነጻ ፍቓድን ነጻ ምርጫን መሰልና ዜቑም፡ እዚ ናይ ገዛእ ርእስና ፍቓድ ዘሎና ምዃንናዩ። ጸገም ዜጋጥም ዘሎ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍቓድን ፍትወትን ዘሎካ ምዃን ዘይኰነስ፡ ኣብ መንፈሳዊ ምሕደራኡዩ። ንሕና ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርና ምዕቡላት እንስሳታት ኣይኰንናን። ብህላውነት ኣምላኽ ዘይኣምኑ ገለ ገለ ናይ ማህበራዊ ስነ ፍልጠትሊቃውንቲ” ’ንሰብ ከምማሕበራዊ እንስሳገይሮም ኪገልጽዎ ይስምዑዮም። እዚ ኣበሃህላ ግን ነቲ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣምላኽን ንዅሉ ሃቐናኡን ግብሩን ዜቃልል ክሕደታዊ ኣተሓሳስባዩ። ንእንስሳ ውሑድን ድሩትን ፍትወት ስጋ ኣለዎ። ንፍትወት ኬመሓድረሉ ዚኽእል ዓቕሚ ኣእምሮ ስለ ዘይብሉ ግን ብፍትወት ስጋኡ ዚምራሕን ዚመሓደርን። ብዛዕባ ዝገበሮ ዝዀነ ይኹን ግብሪ ተሓታትነት የብሉን። ሰብ ግን፡ ካብ መንፈስን ባህርይን ናይ ኣምላኽ ተኻፊሉ ዝተፈጥረ፡ ተሓታትነት ዘለዎን ፍርዲ ዚጽበዮን ፍጡርዩ። ሕመቕን ጽባቐን ናይ ፍትወቱ ኺመዝነሉ ዚኽእል ሃብቲ ኣእምሮ ኣለዎ። በዚ ሃብ ኣእምሮ ተመሪሑ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ባህርያዊ ፍቓድን ፍትወትን ክፉእ ድዩ ጽቡቕ፡ ካብ ኣምላኽ ድዩ ካብ ሰይጣን፡ ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ፡ ነቲ ዜርብሖ ፍቓድ ኪፍጽም ነቲ ዘየርብሖ ግና ኪገትእን ኪመልኽን ዜኽእሎ ዓቕሚ ኣለዎ። ንዝተላዕሎ ዅሉ ፍቓድን ፍትወትን ከከም ኣመጻጽኣኡ ዚእዘዝን ዜአንግድን እንተ ዀይኑ ግን፡ ርእሱ ናብ ደረጃ እንስሳ ኣውሪዱን ኣዋሪዱን የመሓድራ ኣሎ ማለትዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ኣምላኻዊ መልክዑ ዓቂቡ፡ ነቲ ምስ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ዚሰማማዕ ፍቓዱ እናገበረ፡ ነቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚቃረን ፍቓዱ ግን እናገትኣን እናዐገሰን ኪነብር እንተ መሪጹ ግን፡ ንርእሱ ንእምላኽ ናብ ምምሳል ክብ ኬብላን ኬኽብራን መሪጹ ኣሎ ማለትዩ። ስለ ነቶም ንፍትወቶም ዚመልኩን ብጽድቂ ዜመሓድሩን፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍትወትን ፍቓድን ዘሎካ ምዃን ዓብይ ሓለፋን ክብረትንዩ። ነቶም ከም እንስሳ ብፍትወት ስጋኦም ዚምርሑ ዓያሱ ግን፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍቓድ ዘሎካ ምዃን ዝዓበየ ሓደጋኦምን ዝኸፍአ መፈንጠራኦምንዩ። እግዚኣብሄር ግን ነቲ ናይ ምምራጽ መሰልን ስልጣንን ዜርብሓና ሓለፋ (priviledge) ኪዀነልናምበር፡ ዜጥፍኣና መፈንጠራ ኪዀነና ኢሉ ኣይሃበናን።

ክንረብሓሉ ተዋሂቡና ኼብቅዕ፡ ክንዕንቀፈሉ ዚገብረና ዘሎ ደኣ እንታይዩ፧ ብኸመይ ኢናኸ ካብ ዜሐልለና ድኻምን ዕንቅፋትንንድሕን፧ ናይ ዘየባትኽ ዕንቅፋት ጠንቂ፡ እታ ኣብ ገነት ኤደን ብኣዳምን ሄዋንን ኣቢላ ናብ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ዝኣተወት ናይ ሰይጣን ማይ ብሑቕያ። ሰይጣን ነቲ ናይ ኣምላኽን ሰብን ዝምድና ኼበላሽዎ፡ ነቲ ናይ ሰብ ናብራ ድማ ኺሕምሶ ምስ ተላዕለ፡ ነዚ እኩይ ሃቐናኡ ንኼስልጥ ዝመረጻን ዝተጠቕመላን ሜላ፡ ኣዝያ ረቃቕን ሓደገኛንያ። ነቲ ናይ ኣምላኽ ቅንዕናን ሰናይነትን ከምንጠራጠሮሞ፡ ካብ ነቲ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ነቲ ናትና ፍቓድ ብዝያዳ ኸምንኣምኖን ከምነኽብሮን ኪገብር መሪጹ። ምኽንያቱ ንእኡ ዘውደቐትን ካብ ክብሪ ናብ ውርደት ዘብጽሓቶን እዛ ሰራም ስሕተትዚኣያ። ናይ ምብልዕ ባህጊ (ፍትወት) እንተ ተላዒሉካ ብዛዕባ ምብላዕዚኣ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ስቕ ኢልካ ከም ደስ ዝበለካ ምብላዕ፡ ካብ ስልጣን ኣምላኽ ሓራ ዄንካ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ጌርካ ኸምትሓስብ ዚገብር ሰይጣናዊ ሜላዩ። ንኣምላኽ ካብ ስእሊ ናይ ኣእምሮኻ ከምትድምስሶ ይገብረካ። እዛ ሚዛን ሕልናዚኣ ሓንሳእ እንተ ተበላሽያ፡ ከም ዝተበላሸወ ኣቕሓ፡ ጸጋጊንካ ናብ ባህርያዊ ተፈጥሮኣ ኽትመልሳ ኣይከኣልንዪ። ዋላ ኻብ ጌጋኻ ተማሂርካ ኽትእረመላን ከተጥዕያን ኣይከኣልንዩ። ንሕልና ምንጻህን ምፍዋስን ብመለኮታዊምበር፡ ብሰብኣዊ ዓቕሚ ኣይከኣልንዩ። ኣዳምን ሄዋንን ንፍትወቶም ስለ ዝተገዝኡ ዝወረዶም ስቓይ ኣዝዩ መሪርዩ። ንሳቶም ኰነ ካብኦም ዝፈረየ ዅሉ ዘርኦምን ግን ካብ ጌጋ ተማሂሩ ሕልናኡ ኼጥዕይን ኣካይዳኡ ኺእርምን ዝኸኣለን ዝፈተነን ዋላ ሓደ የልቦን።

ንሕልናኻ ምዕራይ ኪኖ ዓቕሚ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ተስፋና ኻብ ኣምላኽ ጥራሕ ኰነ። እቲ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ንሓጢኣት ግቡእ ዓስቡ ኸይሃበ፡ ነቲ ሓጥእ ሕልና ኺምሕርን ኪፍውስን ስለ ዘይፈቅድ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ካብ ዘየቋርጽ ነባሪ ዕንቅፋት ኼድሕነና ፈቐደ። በቲ ንኣመንዝራ ናብ ድንግል ኪልውጥ ዚኽእል ቅዱስ ደም ወዱ ገይሩ ሓድሽ ሕልና ጸገወና።

ደም (እንስሳታትን) ሓመዅስቲ ናይ ዝሓረረት ኣርሕን ናብቶም ዝረኸሱ ሰባት ተነጺጉ ንሰብነቶም (ስጋኦም) ኬንጽህ ዚቕድሶም ካብ ኰነ፡ ደም ናይ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግደ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ ምእንቲ ኸነገልግል፡ ንሕልናና ኻብ ሞት ዜስዕብ ግብሪ ክንደይ ኣዝዩ ዘየንጽሃና፧ እብ 913-14 .

እዚ ሃዋርያዊ ቓል ብዘይ ደም ክርስቶስ ንሕልናኡ ኼንጽህን ባርያ ፍትወት ስጋኡ ኻብ ምዃን ኪድሕንን ዚኽእል ዋላ ሓደ ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እቲ ብደም ክርስቶስ ሕልናኡ ዝነጽሀን ዝተሓደሰን ክርስትያን፡ ንፍትወቱ ኪመልኽን እግዚኣብሄር ንዝኣዘዞ ዅሉ ኺገብርን ዓቕሚ ኣለዎ። ሕልና ኣብ ልዕሊ ስጋ ዝነበሮ ምልኪ ተመሊሱሉዩ። ካብ ብፍትወት ስጋ ዚምርሓሉ እንስሳውን ሰይጣናውን ባህርይ፡ ናብ ሕልናኡ ወይ መንፈሱ ንስጋኡን ፍትወታቱን ዜመሓድረሉ ንቡር ሰብኣውን መለኮታውን ባህርይ ተመሊሱዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ነዚ ዓመጸኛ ስጋናን ፍትወታቱን ብምልኪ እነመሓድረሉ ዓቕሚ እንረኽቦ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝተሓደሰ ህያው ሕልናና ስለ ዚሓድርዩ። ብደም ክርስቶስ ዚነጽህን ህይወት ዚረክብን መንፈስና (ሕልናና)’ምበር፡ ስጋና ኣይኰነን። ስጋድሒኑዚበሃል፡ ሓጢኣት ናብ ዘይገብር ስጋ ምስ ዚልወጥዩ። ምድሓን ስጋና ዚፍጸም ክርስቶስ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸን፡ ነዚ ድኹምን መዋትን ስጋና ናብ ናቱ ዓይነት ስጋ ምስ ዚልውጦንዩ። ንምጽኣት ክርስቶስ ብምስቍርቋር እንናፍቐሉ ምኽንያት ድማ ንሱዩ። ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ ወይ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ግን፡ በቲ ህያው ሕልናና ነዚ ድኹምን ምውትን ስጋና ንፍትወቱ ኸይግዛእን ከይሓጥእን ብረድኤት መንፈስ ቅዱስን ብሓይሊ ጸጋ ኣምላኽን ክንመልኮን ከነመሓድሮን ንነብር። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።

ንስኻትኩም ግና መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተልዩስ፡ ብመንፈስምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ (ናይ ኣምላኽ) ኣይኰነን። ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተልዩ ግና፡ በቲ ሓደ ወገን እቲ ስጋኹም ብሰሪ ሓጢኣት (ገና) ምውትዩ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ እግዚኣብሄር (ብክርስቶስ) ስለ ዘጽደቐኩም እቲ መንፈስኩም (ሕልናኹም) ህያውዩ። . . . ንሕና (ክርስትያን) ነቲ ቐዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸበና፡ ብውሽጥና (ነስቈርቍር) ኣለና።

ንሕና ሃገርና ኣብ ሰማያትያ፡ ካብኣ ድማ ንመድሓኒና ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበይ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሉ፡ ነዚ (ዚሓጥእ) ናይ ውርደት ስጋና ለዊጡ፡ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ኼምስሎዩ። . . . (ሽዑ) ከም ምስሊ ናይ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ከምኡ ድማ ምስሊ ናይ ሰማያዊ (ክርስቶስ) ክንለብስ ኢና።ፊል 320,21 1ቈረ 1549 .

ንፍትወት ስጋና እንተ ተገዛእናን እንተ ኣአንገድናን እንታይ ጸገሙ፧ ኣባና ዜውርዶ ጕድኣት ወይውን ኣብ ኣምላኽ ይኹን ኣብ ካልኦት ሰባት ዜውርዶ በደል እንታይዩ፧ ኣቐዲምና፡ ብፍትወት ስጋኦም ጥራሕ ዚምርሑ እቶም ኣእምሮ ዘይብሎም በሃማት እንስሳታት ምዃኖም ጠቒስና ኣለና። ብኣርኣያ ስላሴ ንዝተፈጥረ ሰብ፡ ከም እንስሳ ኻብ ምዃን ዚኸፍእ ካልእ ውርደት ኪህልዎ ኣይክእልንዩ። ፍትወት ወይ ሓሳብ ናይ ስጋ ዚመርሓካ ሰብ ምዃን ንህይወትካ ብሓጢኣት ዜበላሽዎ ኣዝዩ ኽፉእ ምርጫዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩልና ኸም ዘሎ፡ እቶም ብኣምላኽ ዘይኣምኑ ንጣኦታት ዜምልኹ ኣረማውያን ኣህዛብ፡ ብፍትወት ስጋ (ብሓሳብ ስጋ)’ዮም ዚምርሑ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብክርስቶስ ዚኣምን ክርስትያን ግን ከም ኣህዛብ ብሓሳብ ስጋ ኺምራሕ ከም ዘይግባእ ድሕሪ ምጥንቃቑ፡ ህይወት ኣህዛብ እንታይ ከም ዚመስል ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

እምበኣርከ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም ከም ኣህዛብ በቲ ከንቱ ዝዀነ ሓሳባት (ፍትወት) ዚነብሩ ዝነበሩ ኸይትነብሩ ብጐይታ እነግረኩምን አሰምዓልኩምን ኣለኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትርሪ ልቦምን ብሰሪ ኣብኣቶም ዘሎ (መንፈሳዊ) ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖምዮም፡ ንሳቶም (ብመንፈስ) ደንዚዞምዮም፡ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦምዮም (ብስሰዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁ) ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከም ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን። (ንክርስቶስ) ብሓንቂ እንተ ደኣ ሰሚዕኩምዎ ዄንኩም። (ብክርስቶስ) ከኣ ተማሂርኩም እንተ ደኣ ዄንኩም፡ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ስለ ዘላ፡ ነቲ ቐደምትነብሩሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፡ በተሓሳስባኹምውን ተሓደሱ። ነቲ በርኣያ እግዚኣብሄር፡ ብጽድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብነትኩም ከኣ ልበስዎ።ኤፌ 417-24 .

ብፍትወት ስጋኻ እትምራሕ ምዃን ናብ ከም ዝበለ ጽዩፍ ህይወት ዜብጽሓካ። ንክርስትያን፡ በቲ ኽቡር ደም ክርስቶስ ካብ ጥፍኣት ተዓዲጉ ንዝደሓነ ሰብ ድማ ከም ዝበለ ዝሩግን ዕቡድን ህይወት ኣይምጥኖንዩ።

ብፍትወትን ብሓሳብን ናይ ስጋ ምምራሕ ምስ ኣምላኽ ኣብ ከቢድ ጽልኢ ዚጸምደካ። እዚ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ዝተደጐለ ጽልኢ ድማ ንሕጊ ኣምላኽ ክትግዛእ ኣየኽእለካንዩ። ናይ ሓሳብ ስጋ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ድማ ዘለኣለማዊ ሞት (ሮሜ 85-8) ነቲ ናይ ቅድመ-ክርስትና ህይወቶም ዘኪሩ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቲቶስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡

ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወትን ትምኒትን ናይ ስጋ እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ (ቲቶ 33) ናይ ስጋ ፍትወትን ሓሳባትን ፍሪኡ ዀነ ሳዕቤኑ እምብዛ ኽፉእን መሪርንዩ። ኣዕሚቑ ዜበላሽወካ። ካብቶም ብዙሓት ናይ ፍትወት ዓይነታት፡ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ሓደን ዝኸፍአን ፍትወት፡ ንሱ ኸኣ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ብምጥቃስ ነቲ መሪር ሳዕቤኑ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና፡ ናብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ፡ ናብ ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒትንዮም ዚወድቁ። ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ናይ ኵሉ ኽፍኣትዩ። ገሊኦም ብህርፋን ገንዘብ ኪረኽቡ (እናተመጣጠሩ) ኣብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።” 1ጢሞ 69,10 .

ካብ ከም ዝበለ መፈንጠራን ስቓይን እነምልጠሉ እንኮ መዋጽኦና ድማ፡ይኣኽለኒ ምባል ዝሰፈኖ ሃይማኖትምዃኑ ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ (1ጢሞ 66-8 .) መጽሓፍ ቅዱስና፡ብፍቓድ ስጋ ምንባር፡ ብስጋ ምንባር፡ ስጋውያን ወዘተዚብል ቃላት ይጥቀምዩ። እዚ ዅሉ ነቶም ብፍትወት ስጋኦም ዚምርሑ ሰባት ንምግላጽ ዚዝውተር ኣበሃህላታት (ሮሜ 85 1ቈረ 31) ስጋና ኵሉ ጊዜ ብፍትወት ብትምኒት ዝዓይዪ። ካልእ ሜላን ቋንቋን የብሉን። ሰይጣን ድማ ነዚ ናይ ስጋና ፍትወትን ትምኒትን እናፍልሐን እናዕፈረን ዜበላሽወናን ዚገዝኣናን። ጐይታና፡ ናይ ፍትወትናን ናይ ሓጢኣትናን ባሮት ካብ ምዃን ምእንቲ ኼድሕነና፡ ኣብ ልዕሊ ስጋናን ፍትወታቱን ምልኪ ኺህበና። ኣብ ገዛእ ህይወትና ኽንገዝእ ኬኽእለናዩ፡ እዚ ዅሉ መሪር መከራ መስቀልን ሞትን ዝተቐበለ። ካብ ዕዳን መግዛእትን ናይ ስጋ ኸም ዝተላቐቕና፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፡ ከም ፍቓድ ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሮሜ 812) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ንፍቓድ ስጋና ናይ ምእዛዝ፡ ንፍትወት ስጋና ናይ ምግልጋል ግዴታ የብልናን”’ ዚብለና ዘሎ። ንፍትወት ስጋና ናይ ምእዛዝ ዕዳን ግዴታን ከም ዘሎና ዄንና ብፍትወት ስጋና ኽንምራሕን ኽንምለኽን እንተ ፈቒድና ግን ሳዕቤኑ መሪርን ዘለኣለማውንዩ።

ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ . . . ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሸውንዩ። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ዝዓጽድ። እቲ ንስግኡ ኬሐጕስ ኢሉ ዚዘርእ፡ ካብ ስጋኡ (ናይ ዘለኣለም) ሞት ኪዓጽድዩ፡ እቲ ንመንፈስ ኬሐጕስ ኢሉ ዚዘርእ ከኣ፡ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድዩ።ሮሜ 813 ገላ 67,8 .

ስለ ንፍትወት ስጋ ናይ ምግልጋል ዓስቢ፡ ብዘይካ ኣብ ምድሪዚኣ ብህይወይ ከለናንበላሽዎ፡ ኣብ ድሕሪ ምጽኣትን ፍርድን ዘሎ ዘመን ናይ ዘለኣለም ሞትን ስቓይን ካብ ኰነ፡ ፍትወት ስጋ ኪመልከናን ንእኡ እነገልግለሉን እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧

ብፍትወት ስጋትምራሕ ምዃን ዝኸፍአ በደል ዚገብሮ ድማ፡ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ምዃንናዩ። ብምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ካልኣይ ልደት ረኺብና ውሉድ ኣምላኽ ድሕሪ ምዃንና፡ እቲ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ኣካል ናይ ክርስቶስምበር ናትና ሰብነት ኣይኰነን (1ቈረ 615,19,20 1227 ሮሜ 147,8) ስለ ኣብ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ሰብነትና ንናይ ኣምላኽ ፍቓድ ዘይኰነ ንፍትወት ስጋ ኽንግዛእ ከለና፡ ከቢድ ጥልመትን ዓመጽንዩ። ንፍርዲ ናይ ምርጫና ዝኸበደ ዚገብሮ ድማ እዚ ዕሉል ገበንዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ጽውዓናን ትዕድልትናን እንታይ ምዃኑ፡ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ (ኻብ) ዚመጽእ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ኰንኩም፡ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (2ጴጥ 13,4 . + .) ስለ ካብ ፍትወት ስጋ ብዘይካ ጥፍኣት ካልእ ረብሓ የልቦን።

ነቲ ምስ ሰባት ዘሎና ዅሉ ዓይነት ማሕበራዊ ዝምድናታትና ዜበላሽዎን ዚበታትኾንውን ፍትወት ስጋ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፦ እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ ድዩ ዚመጽእ ዘሎ፧ ካብ ኣብ (ኣካላትኩም) ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ኣይኰነን፧ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ (ያእ 41 .) ስለ ጥዕና ዘለዎ መንፈሳዊ ህይወትን፡ ተስፋ ዝመልኦ ዘለኣለማዊ መጻእን ኪህልወና እንተ ዀይኑ፡ ብፍትወት ስጋና ምስ ኣምላኽን ሰብን ምውጋእ ሓዲግና፡ ኵሉ ባእስናን ውግእናን ምስ ፍትወት ስጋና ኪኸውን ይግብኦ።

ብኸመይ ኢና ንፍትወት ስጋና ኽንስዕሮን ክንመልኮንንኽእል፧ ንምዃኑከ ክትመልኮ ክትቈጻጸሮ ይከኣል ድዩ፧ ብርግጽ ይከኣልዩ፡ ከም ኣብ ሮሜ 89,10 ዝረኣናዮ፡ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ገና ኣባና ሓዲሮም እንተልዮም፡ ዘይንስዕሮ ፍትወት ስጋን ዘይንዕወተሉ ግብሪ ጽድቅን ኪህልው ኣይክእልንዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡

እቶም ናይ ክርስቶስ (ዝዀኑ) ኸኣ፡ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ (ቀቲሎምዎ)’ዮም።” ብምባል ነታ ፍትንቲ መንፈሳዊት ጥበብ ኣግሂዱ ነጊሩና (ገላ 524 .) ደጋጊሙውን ነቲ ግብሪ ስጋ (ነቲ ፍትወት ስጋ) ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም . . . ስለ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም፡ ማለት ንምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ ቅተሉ፡ብምባል ተማሕጺኑና ኣሎ (ሮሜ 813 ቈሎ 35) ንሕና እንተ ዘይቀተልናዮ፡ እቲ ፍትወት ስጋ ብርግጽ ብዘለኣለማዊ ሞት ኪቐትለናዩ። ንፍትወት ስጋ ኸም ኣቃትላ ሰብን እንስሳን ጌርካ ኽትቀትሎ ኸም ዘይከኣል ርዱእዩ።እምቢኢልካ ኸይነአንግዶን ከይንእዘዞን እንተ ኣቕቢጽና ግን፡ ቀቲልናዮ ኸም ዘለና ርጉጽ ሓቂዩ። ምኽንያቱ ፍትወት ስጋ ዀነ ሓጢኣት፡ ኣብ ስጋኻ እንተግዛእካዮ ህይወት ዚህልዎምበር፡ ብገዛእ ርእሱ ህይወትን ህላወን የብሉን። እቲ ንስጋኡ ምስናይ ፍትወቱ ኺሰቅል ዝኸኣለ ሰብ፡ ነቲንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም (ንኣምላኽ) ኣቕርብዎዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ዘውዓለ ሰብ (ሮሜ 121) ፍትወት ዝነገሶ ሰብነት፡ ርኹስን ምውትን ኣምላኽ ዚጽየፎን መስዋእቲዩ። ፍትወት ስጋ ኣብ ስጋና ዝተሰዅዐ ሕሱም ጸላኢናሞ፡ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኽንስዕሮምበር፡ ኪስዕረና ኣይግባእንዩ።

እምበኣር ርእስና ንመርምር መንፈሳዊ ሃለዋትና ንፍለጥ። ፍትወት ስጋ እንተ ዀነ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ኼሰንየናምበር ኣይኪለቅቀናንዩ። ስለ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነት፡ እናገንፈለ ኼበላሽወና ንዚለዓል ኵሉ ፍትወት ስጋ፡ ብዘይ ንሕስያ ክንቀትሎን ኣብ ትሕቲ እግርና ኽንረግጾን ይግባእ። እንተ ተሳዒርናሉን እንተ ተገዚእናዮን ግን፡ ድራር ናይ ዘይጠፍእ ሓዊ ገሃነም ክንከውን፡ እቶም ዘይሞቱ ሓሳኹኡ ድማ መንጸፍናን መደረብታናን ኪዀኑዮምሞ፡ ብፍትወት ስጋ ኣይንጠበር ኣይንመለኽ ከኣ!! (ማር 943-48 ኢሳ 1411)

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

30 የካቲት 2025 | የካቲት  22, 2016 ግዕዝ (መበል 25 ሰንበት: ቊ.፳፭/25)

ምስባክ

መዝ፺፭(፺፭)፡፭,፮ “እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ። አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።”

ዓዲ፡ 

መዝ.፻፬(፻፭)፡፩-፪ “ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ። ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ። ሰብሑ ወዘምሩ ሎቱ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ተሰ 4፡1-12

ዲያቆን

1ጴጥ 1፡13-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 3፡17-29

ንፍቅ ካህን

ማቴ 6፡16-24

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ   መዝሙር፦ ግነዩ ለእግዚአብሔር

   

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div