“ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ምንዝርናን ኽትርሕቁን’ዩ። ከም’ቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ (ኣረማውያን) ኣህዛብ ድማ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ። . . . ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘስማዕናኩምን፡ ናይ’ዚ ዅሉ ነገራት’ዚ ፈዳይ ሕነ ኣምላኽ’ዩ። (ምኽንያቱ) ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር’ዩ ጸዊዑና። እምበኣር እቲ ነዚ ዘይቅበል፡ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዚህበኩም ኣምላኽ’ምበርን ንሰብ ኣይኰነን ምቕባል ዚኣብይ ዘሎ።” 1ተሰ 4፡3,5-8 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ካልኣይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዚ ዘለናዮ ኻልኣይ ሰንበትን ሰሙንን’ዚ፡ “ቅድስት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣርእስቲ ናይ’ቲ ብቕዱስ ያሬድ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ መዝሙር ሰንበት ከኣ “ግነዩ ለእዚኣብሄር (ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ)” ዀይኑ፡ ነቲ ምስባኽ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ዝዀነ ናይ መዝ 105፡12,2 ጥቕሲ መሰረት ዝገበረ’ዩ።
“ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፡ ግብርታቱ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣውርዩ። ዘምሩሉ፡ ኣመስግንዎ፡ ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛረቡ።” መዝ 105፡1,2
ካብ ዝተፈላለየ ኻልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ ትሕዝቶ’ውን ዘለዎ መዝሙር’ዩ። ጽድቂ ኽንገብር፡ ንሃብትና ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ኣብ ሰማያት ከነቐምጥ፡ ኵሉ ጊዜ ድሉዋት ኴንና ኽንነብር፡ ነቲ ክርስቶስ ተቐሚጥዎ ዘሎ ነቲ ናይ ላዕሊ ጥራይ ክንሓስብን ክንደልይን፡ ነታ ምእንቲ ሰብ ዝተፈጥረት ቅድስቲ ሰንበት ክነኽብራ ዜተሓሳስብ ናብ ቅድስና ዘድሃበ መልእኽቲ ዝሓዘ’ዩ (ማቴ 6፡19-21 ፣ ቈሎ 3፡1-3 ፣ ማር 2፡27)። እቲ ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ገይሩ ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን’ውን ናይ ቅድስና መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ።
እዛ ሰንበትን ሰሙንን’ዚኣ “ቅድስት” ዝተባህለትሉ ምኽንያት ክልተ’ዩ። ቀዳማይ ምኽንያት፡ እዛ ኣቲናያ ዘለና ጾመ ኢየሱስ “ቅድስቲ ጾም” ስለ ዝዀነት፡ እዛ ንሕና’ውን ብደረጃ ቤተ ክርስትያን ኰነ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እንጾማ ዘለና ጾም፡ ቅድስቲ ጾም ክትከውን ከም ዚግብኣ ንኼመልክተና’ዩ። ነብዪ ዮኤል ንጾም ኣመልኪቱ፦
“እግዚኣብሄር እምበኣርሲ ሕጂ’ውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ። ክዳንኩም ዘይኰነስ ልብኹም ቅደዱ፡ ይብል ኣሎ። . . . ኣብ እምባ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፡ ጾም (ቀድሱ)፡ ኣኼባ ጸውዑ። ህዝቢ ኣክቡ፡ ቅዱስ ጉባኤ ኸም ዘሎ ንገሩ፡ ኣረገውቲ ኣክቡ፡ ቈልዑን ጡብ ዚጠብውን ኣክቡ። መርዓዊ ኻብ ቤቱ ይውጻእ፡ መርዓት ከኣ ካብ ሕልፍኝኣ ትውጻእ።” ኢሉ ቓል እግዚኣብሄር ጽሒፉልና ኣሎ (ዮኤ 2፡12,13,15,16)። እዚ ቓል’ዚ “ቕዱስ ጾም” እንታይ ማለት ምዃኑ ብንጹር ኣርእዩና ኣሎ። ብብኽያትን ብልባውን ግብራውን ንስሓ ዘይተሰነየ ጾም፡ ምስ ጾም ክትሰርዖ ዚኸብድ’ዩ። ዝዀነ ይኹን ዘመነ ጾም፡ ናይ ሓዘን ጊዜ ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። ብዛዕባ ሓጢኣትካን ሓጢኣት ህዝብኻን ብብርቱዕ ሓዘን፡ መሪር ብኽያትን እናበኸኻ ልባዊ ንስሓ እናኣተኻ ኪጽለየሉ ዚግባእ ዘመን’ዩ። ልቢ፡ ብንስሓ’ዩ ዚቕደድ። ንኸስዐኻ ብእኽለ ማይ ቀጺዕካ፡ ልብኻ ግን ከይተተንከፈ ኸም ዝነበሮ ዚቕጽል እንተ ዀይኑ፡ ናይ ጾምካ ቅዱስነት ኣብ ምልክት ሕቶ ኸም ዚኣትው ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ።
እቲ ጾምና “ቅድስት” ዝተባህለሉ ኻልኣይ ምኽንያት ከኣ፡ ናትና ናይ’ቶም ጸወምቲ ቕድስና ኣገዳስን ኣድላይን ከም ዝዀነ ንኼመልክት’ዩ። ስለ’ዚ ድማ እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ናይ ውልቅና ቕድስና ዜመልክት ኰይኑ ተሰሪዑልና ኣሎ። ምኽንያቱ ዓይነት ህይወትና ኣብ ዓይነት ናይ ጾምና ሓያል ጽልዋ ኣለዎ። ናይ ርኹሳት ሰባት ጾም፡ ቅዱስ ጾም ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ርእስና ብጾም ቅድሚ ምጽማድና፡ ገዛእ ህይወትና ብዕቱብ ክንምርምር ዜድልየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ብቕድስና ዘይተሰነየ ጾም፡ ጾም ዘይኰነስ ትርጕም ኣልቦ ምግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ’ዩ ዚኸውን። ካብ ቅድስና ዚፈልየና፡ እቲ ኣብ ስጋና ተደጕሉ ዚፈታተነና ፍትወት ስጋና ስለ ዝዀነ፡ ጾምና ቅዱስን ቅቡልን ምእንቲ ኪዀነልና፡ ፍትወት ስጋና ኸም ዝደለዮ ኺመልከናን ናብ ዝደለዮ ኺመርሓናን ዘይኰነስ፡ ንሕና ባዕላትና ንፍትወትና ብዕቱብ ክንመልኮን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ከነግዝኦን፡ ንኽብሪ ኣምላኽናን ንዘለኣለማዊ ረብሓናን ከም ዜገልግል ጌርና ኽንመርሖን ከነማእዝኖን ይግብኣና። እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ድማ፡ ዕዉትን ቅቡልን ጾም ንኽንጸውም ዝተሰርዓልና ኣገዳሲ ትምህርቲ’ዩ።
ፍትወት ስጋ ግን ንምንታይ’ዩ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኽፉእን ሓደገኛን ኰይኑ፧ ብመሰረቱኸ “ፍትወት ስጋ” እንታይ ማለት’ዩ፧ መብዛሕትኡ ጊዜ ፍትወት ስጋ ዚመስለና፡ እቲ ንኽልቲኡ ዓይነት ጾታ ብዘይ ምቝራጽ ዚፈታተን ጾታዊ ስምዒት ጥራሕ’ዩ። ብርግጽ ጾታዊ ስምዒት እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ፍትወት-ስጋ ምዃኑ ዘይከሓድ’ዩ። እቲ ዜሕዝን ጌርና ግን፡ ነቲ ኻልእ ኵሉ ዓይነታት ናይ ፍትወት ከም ዘሎ’ኳ ኸየለለናዮን ከይኣመንናሉን ንነብር ምህላውና፡ ንሱ ድማ እናኸብከበ ናብ ገሃነም ይመርሓናን የጥፍኣናን ምህላው’ዩ። ነቲ ናይ ዝሙትን ምንዝርናን ሓጢኣት ብኣካል ብግብሪ ስለ ዘይፈጸምናዮ ጥራሕ፡ ንርእስና ኣብ ቅድስና ኸም ዘላ ኽሳዕ ምድምዳም ንበጽሕ ስለ ዘለና፡ እዚ ግጉይ መረዳእታ’ዚ ቐንዲ ጠንቅን ምንጭን ናይ ርኽሰትና ይኸውን ኣሎ።
“ፍትወት” ማለት “ፍቓድ፡ ድልየት፡ ባህጊ፡ ትምኒት፡ ሓሳብ ወዘተ” ማለት’ምበር፡ ካልእ ትርጕም የብሉን። ስለ’ዚ ሰብ ከም ስጋ ዝለበሰ ፍጡር መጠን ዚደልዮም ኵሎም ድልየታት፡ “ፍትወት ስጋ፡ ፍቓድ ስጋ፡ ትምኒት ስጋ፡ ድልየት ስጋ፡ ባህጊ ስጋ፡ ሓሳብ ስጋ” ኢልና ኺጽዋዕ ይከኣል‘ዩ። ኵላቶም ተተኻኻእቲ መለሳ-ቓላት (Synonyms)’ቶም። ናይ ሰብ ድልየትን ፍቓድን ድማ ጾታዊ ስምዒት ጥራሕ ኣይኰነን። ኣዝዩ ብዙሕ ካልእ ናይ ስጋ ፍትወትን ፍቓድን‘ውን ኣሎና። ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍትወት ፍቓድን ዘሎካ ምዃን ኣካል ተፈጥሮና ስለ ዝዀነ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን። ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ናይ ነጻ ፍቓድን ነጻ ምርጫን መሰልና ዜቑም፡ እዚ ናይ ገዛእ ርእስና ፍቓድ ዘሎና ምዃንና’ዩ። ጸገም ዜጋጥም ዘሎ ኣብ‘ቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍቓድን ፍትወትን ዘሎካ ምዃን ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ መንፈሳዊ ምሕደራኡ‘ዩ። ንሕና ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርና ምዕቡላት እንስሳታት ኣይኰንናን። ብህላውነት ኣምላኽ ዘይኣምኑ ገለ ገለ ናይ ማህበራዊ ስነ ፍልጠት “ሊቃውንቲ” ’ንሰብ ከም “ማሕበራዊ እንስሳ” ገይሮም ኪገልጽዎ ይስምዑ‘ዮም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግን ነቲ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣምላኽን ንዅሉ ሃቐናኡን ግብሩን ዜቃልል ክሕደታዊ ኣተሓሳስባ‘ዩ። ንእንስሳ ውሑድን ድሩትን ፍትወት ስጋ ኣለዎ። ንፍትወት ኬመሓድረሉ ዚኽእል ዓቕሚ ኣእምሮ ስለ ዘይብሉ ግን ብፍትወት ስጋኡ’ዩ ዚምራሕን ዚመሓደርን። ብዛዕባ ዝገበሮ ዝዀነ ይኹን ግብሪ ተሓታትነት የብሉን። ሰብ ግን፡ ካብ መንፈስን ባህርይን ናይ ኣምላኽ ተኻፊሉ ዝተፈጥረ፡ ተሓታትነት ዘለዎን ፍርዲ ዚጽበዮን ፍጡር‘ዩ። ሕመቕን ጽባቐን ናይ ፍትወቱ ኺመዝነሉ ዚኽእል ሃብቲ ኣእምሮ ኣለዎ። በዚ ሃብ’ቲ ኣእምሮ‘ዚ ተመሪሑ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ባህርያዊ ፍቓድን ፍትወትን ክፉእ ድዩ ጽቡቕ፡ ካብ ኣምላኽ ድዩ ካብ ሰይጣን፡ ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ፡ ነቲ ዜርብሖ ፍቓድ ኪፍጽም ነቲ ዘየርብሖ ግና ኪገትእን ኪመልኽን ዜኽእሎ ዓቕሚ ኣለዎ። ንዝተላዕሎ ዅሉ ፍቓድን ፍትወትን ከከም ኣመጻጽኣኡ ዚእዘዝን ዜአንግድን እንተ ዀይኑ ግን፡ ርእሱ ናብ ደረጃ እንስሳ ኣውሪዱን ኣዋሪዱን የመሓድራ ኣሎ ማለት’ዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ኣምላኻዊ መልክዑ ዓቂቡ፡ ነቲ ምስ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ዚሰማማዕ ፍቓዱ እናገበረ፡ ነቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚቃረን ፍቓዱ ግን እናገትኣን እና’ዐገሰን ኪነብር እንተ መሪጹ ግን፡ ንርእሱ ንእምላኽ ናብ ምምሳል ክብ ኬብላን ኬኽብራን መሪጹ ኣሎ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ነቶም ንፍትወቶም ዚመልኩን ብጽድቂ ዜመሓድሩን፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍትወትን ፍቓድን ዘሎካ ምዃን ዓብይ ሓለፋን ክብረትን’ዩ። ነቶም ከም እንስሳ ብፍትወት ስጋኦም ዚምርሑ ዓያሱ ግን፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍቓድ ዘሎካ ምዃን ዝዓበየ ሓደጋኦምን ዝኸፍአ መፈንጠራኦምን‘ዩ። እግዚኣብሄር ግን ነቲ ናይ ምምራጽ መሰልን ስልጣንን ዜርብሓና ሓለፋ (priviledge) ኪዀነልና’ምበር፡ ዜጥፍኣና መፈንጠራ ኪዀነና ኢሉ ኣይሃበናን።
ክንረብሓሉ ተዋሂቡና ኼብቅዕ፡ ክንዕንቀፈሉ ዚገብረና ዘሎ ደኣ እንታይ’ዩ፧ ብኸመይ ኢናኸ ካብ’ዚ ዜሐልለና ድኻምን ዕንቅፋትን’ዚ ‘ንድሕን፧ ናይ‘ዚ ዘየባትኽ ዕንቅፋት’ዚ ጠንቂ፡ እታ ኣብ ገነት ኤደን ብኣዳምን ሄዋንን ኣቢላ ናብ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ዝኣተወት ናይ ሰይጣን ማይ ብሑቕ’ያ። ሰይጣን ነቲ ናይ ኣምላኽን ሰብን ዝምድና ኼበላሽዎ፡ ነቲ ናይ ሰብ ናብራ ድማ ኺሕምሶ ምስ ተላዕለ፡ ነዚ እኩይ ሃቐናኡ’ዚ ንኼስልጥ ዝመረጻን ዝተጠቕመላን ሜላ፡ ኣዝያ ረቃቕን ሓደገኛን’ያ። ነቲ ናይ ኣምላኽ ቅንዕናን ሰናይነትን ከም ‘ንጠራጠሮ’ሞ፡ ካብ ነቲ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ነቲ ናትና ፍቓድ ብዝያዳ ኸም ‘ንኣምኖን ከም ‘ነኽብሮን ኪገብር’ዩ መሪጹ። ምኽንያቱ ንእኡ ዘውደቐትን ካብ ክብሪ ናብ ውርደት ዘብጽሓቶን እዛ ሰራም ስሕተት’ዚኣ’ያ። ናይ ምብልዕ ባህጊ (ፍትወት) እንተ ተላዒሉካ ብዛዕባ’ዛ ምብላዕ’ዚኣ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ስቕ ኢልካ ከም ደስ ዝበለካ ምብላዕ፡ ካብ ስልጣን ኣምላኽ ሓራ ዄንካ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ጌርካ ኸም ‘ትሓስብ ዚገብር ሰይጣናዊ ሜላ’ዩ። ንኣምላኽ ካብ‘ቲ ስእሊ ናይ ኣእምሮኻ ከም ‘ትድምስሶ ይገብረካ። እዛ ሚዛን ሕልና’ዚኣ ሓንሳእ እንተ ተበላሽያ፡ ከም ዝተበላሸወ ኣቕሓ፡ ጸጋጊንካ ናብ’ቲ ባህርያዊ ተፈጥሮኣ ኽትመልሳ ኣይከኣልን’ዪ። ዋላ ኻብ ጌጋኻ ተማሂርካ ኽትእረመላን ከተጥዕያን ኣይከኣልን‘ዩ። ንሕልና ምንጻህን ምፍዋስን ብመለኮታዊ’ምበር፡ ብሰብኣዊ ዓቕሚ ኣይከኣልን’ዩ። ኣዳምን ሄዋንን ንፍትወቶም ስለ ዝተገዝኡ ዝወረዶም ስቓይ ኣዝዩ መሪር’ዩ። ንሳቶም ኰነ ካብኦም ዝፈረየ ዅሉ ዘርኦምን ግን ካብ’ቲ ጌጋ’ቲ ተማሂሩ ሕልናኡ ኼጥዕይን ኣካይዳኡ ኺእርምን ዝኸኣለን ዝፈተነን ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን።
ንሕልናኻ ምዕራይ ኪኖ ዓቕሚ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ተስፋና ኻብ ኣምላኽ ጥራሕ ኰነ። እቲ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ንሓጢኣት ግቡእ ዓስቡ ኸይሃበ፡ ነቲ ሓጥእ ሕልና ኺምሕርን ኪፍውስን ስለ ዘይፈቅድ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ካብ‘ዚ ዘየቋርጽ ነባሪ ዕንቅፋት’ዚ ኼድሕነና ፈቐደ። በቲ ንኣመንዝራ‘ኳ ናብ ድንግል ኪልውጥ ዚኽእል ቅዱስ ደም ወዱ ገይሩ ሓድሽ ሕልና ጸገወና።
“ደም (እንስሳታትን) ሓመዅስቲ ናይ’ታ ዝሓረረት ኣርሕን ናብ’ቶም ዝረኸሱ ሰባት ተነጺጉ ንሰብነቶም (ስጋኦም) ኬንጽህ ዚቕድሶም ካብ ኰነ፡ ደም ናይ’ቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግደ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ ምእንቲ ኸነገልግል፡ ንሕልናና ኻብ’ቲ ሞት ዜስዕብ ግብሪ ክንደይ ኣዝዩ ዘየንጽሃና፧ እብ 9፡13-14 ካ.ት
እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ብዘይ ደም ክርስቶስ ንሕልናኡ ኼንጽህን ባርያ ፍትወት ስጋኡ ኻብ ምዃን ኪድሕንን ዚኽእል ዋላ ሓደ’ኳ ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እቲ ብደም ክርስቶስ ሕልናኡ ዝነጽሀን ዝተሓደሰን ክርስትያን፡ ንፍትወቱ ኪመልኽን እግዚኣብሄር ንዝኣዘዞ ዅሉ ኺገብርን ዓቕሚ ኣለዎ። ሕልና ኣብ ልዕሊ ስጋ ዝነበሮ ምልኪ ተመሊሱሉ’ዩ። ካብ’ቲ ብፍትወት ስጋ ዚምርሓሉ እንስሳውን ሰይጣናውን ባህርይ፡ ናብ’ቲ ሕልናኡ ወይ መንፈሱ ንስጋኡን ፍትወታቱን ዜመሓድረሉ ንቡር ሰብኣውን መለኮታውን ባህርይ ተመሊሱ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ነዚ ዓመጸኛ ስጋናን ፍትወታቱን ብምልኪ እነመሓድረሉ ዓቕሚ እንረኽቦ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ’ቲ ዝተሓደሰ ህያው ሕልናና ስለ ዚሓድር’ዩ። ብደም ክርስቶስ ዚነጽህን ህይወት ዚረክብን መንፈስና (ሕልናና)’ምበር፡ ስጋና ኣይኰነን። ስጋ “ድሒኑ” ዚበሃል፡ ሓጢኣት ናብ ዘይገብር ስጋ ምስ ዚልወጥ’ዩ። ምድሓን ስጋና ዚፍጸም ክርስቶስ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸን፡ ነዚ ድኹምን መዋትን ስጋና ናብ’ቲ ናቱ ዓይነት ስጋ ምስ ዚልውጦን’ዩ። ንምጽኣት ክርስቶስ ብምስቍርቋር እንናፍቐሉ ምኽንያት ድማ ንሱ’ዩ። ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ ወይ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ግን፡ በቲ ህያው ሕልናና ነዚ ድኹምን ምውትን ስጋና ንፍትወቱ ኸይግዛእን ከይሓጥእን ብረድኤት መንፈስ ቅዱስን ብሓይሊ ጸጋ ኣምላኽን ክንመልኮን ከነመሓድሮን ንነብር። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ንስኻትኩም ግና መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተ’ልዩስ፡ ብመንፈስ’ምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ (ናይ ኣምላኽ) ኣይኰነን። ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ’ልዩ ግና፡ በቲ ሓደ ወገን እቲ ስጋኹም ብሰሪ ሓጢኣት (ገና) ምውት’ዩ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ እግዚኣብሄር (ብክርስቶስ) ስለ ዘጽደቐኩም እቲ መንፈስኩም (ሕልናኹም) ህያው’ዩ። . . . ንሕና (ክርስትያን)፡ ነቲ ቐዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልና’ውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸበና፡ ብውሽጥና (ነስቈርቍር) ኣለና።”
“ንሕና ሃገርና ኣብ ሰማያት’ያ፡ ካብኣ ድማ ንመድሓኒና ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበይ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሉ፡ ነዚ (ዚሓጥእ) ናይ ውርደት ስጋና ለዊጡ፡ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ኼምስሎ’ዩ። . . . (ሽዑ) ከም’ቲ ምስሊ ናይ’ቲ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ከምኡ ድማ ምስሊ ናይ’ቲ ሰማያዊ (ክርስቶስ) ክንለብስ ኢና።” ፊል 3፡20,21 ፣ 1ቈረ 15፡49 ካ.ት
ንፍትወት ስጋና እንተ ተገዛእናን እንተ ኣአንገድናን እንታይ’ዩ ጸገሙ፧ ኣባና ዜውርዶ ጕድኣት ወይ’ውን ኣብ ኣምላኽ ይኹን ኣብ ካልኦት ሰባት ዜውርዶ በደል እንታይ’ዩ፧ ኣቐዲምና፡ ብፍትወት ስጋ’ኦም ጥራሕ ዚምርሑ እቶም ኣእምሮ ዘይብሎም በሃማት እንስሳታት ምዃኖም ጠቒስና ኣለና። ብኣርኣያ ስላሴ ንዝተፈጥረ ሰብ፡ ከም እንስሳ ኻብ ምዃን ዚኸፍእ ካልእ ውርደት ኪህልዎ ኣይክእልን’ዩ። ፍትወት ወይ ሓሳብ ናይ ስጋ ዚመርሓካ ሰብ ምዃን ንህይወትካ ብሓጢኣት ዜበላሽዎ ኣዝዩ ኽፉእ ምርጫ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩልና ኸም ዘሎ፡ እቶም ብኣምላኽ ዘይኣምኑ ንጣኦታት ዜምልኹ ኣረማውያን ኣህዛብ፡ ብፍትወት ስጋ (ብሓሳብ ስጋ)’ዮም ዚምርሑ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብክርስቶስ ዚኣምን ክርስትያን ግን ከም ኣህዛብ ብሓሳብ ስጋ ኺምራሕ ከም ዘይግባእ ድሕሪ ምጥንቃቑ፡ ህይወት ኣህዛብ እንታይ ከም ዚመስል ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“እምበኣርከ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም ከም’ቲ ኣህዛብ በቲ ከንቱ ዝዀነ ሓሳባት (ፍትወት) ዚነብሩ ዝነበሩ ኸይትነብሩ ብጐይታ እነግረኩምን አሰምዓልኩምን ኣለኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትርሪ ልቦምን ብሰሪ’ቲ ኣብኣቶም ዘሎ (መንፈሳዊ) ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም’ዮም፡ ንሳቶም (ብመንፈስ) ደንዚዞም’ዮም፡ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦም’ዮም (ብስሰዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁ)። ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከም’ዚ ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን። (ንክርስቶስ) ብሓንቂ እንተ ደኣ ሰሚዕኩምዎ ዄንኩም። (ብክርስቶስ) ከኣ ተማሂርኩም እንተ ደኣ ዄንኩም፡ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ስለ ዘላ፡ ነቲ ቐደም ‘ትነብሩሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፡ በተሓሳስባኹም’ውን ተሓደሱ። ነቲ በርኣያ እግዚኣብሄር፡ ብጽድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብነትኩም ከኣ ልበስዎ።” ኤፌ 4፡17-24 ካ.ት
ብፍትወት ስጋኻ እትምራሕ ምዃን ናብ ከም’ዚ ዝበለ ጽዩፍ ህይወት’ዩ ዜብጽሓካ። ንክርስትያን፡ በቲ ኽቡር ደም ክርስቶስ ካብ ጥፍኣት ተዓዲጉ ንዝደሓነ ሰብ ድማ ከም’ዚ ዝበለ ዝሩግን ዕቡድን ህይወት ኣይምጥኖን’ዩ።
ብፍትወትን ብሓሳብን ናይ ስጋ ምምራሕ ምስ ኣምላኽ ኣብ ከቢድ ጽልኢ’ዩ ዚጸምደካ። እዚ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ዝተደጐለ ጽልኢ ድማ ንሕጊ ኣምላኽ ክትግዛእ ኣየኽእለካን’ዩ። ናይ ሓሳብ ስጋ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ድማ ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ (ሮሜ 8፡5-8)። ነቲ ናይ ቅድመ-ክርስትና ህይወቶም ዘኪሩ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቲቶስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡
“ንሕና’ውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወትን ትምኒትን ናይ ስጋ እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።” ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ (ቲቶ 3፡3)። ናይ ስጋ ፍትወትን ሓሳባትን ፍሪኡ ዀነ ሳዕቤኑ እምብዛ ኽፉእን መሪርን’ዩ። ኣዕሚቑ’ዩ ዜበላሽወካ። ካብ’ቶም ብዙሓት ናይ ፍትወት ዓይነታት፡ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ሓደን ዝኸፍአን ፍትወት፡ ንሱ ኸኣ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ብምጥቃስ ነቲ መሪር ሳዕቤኑ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና፡ ናብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ፡ ናብ ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒትን’ዮም ዚወድቁ። ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ናይ ኵሉ ኽፍኣት’ዩ። ገሊኦም ብህርፋን ገንዘብ ኪረኽቡ (እናተመጣጠሩ) ኣብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶም’ውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።” 1ጢሞ 6፡9,10 ካ.ት
ካብ ከም’ዚ ዝበለ መፈንጠራን ስቓይን እነምልጠሉ እንኮ መዋጽኦና ድማ፡ “ይኣኽለኒ ምባል ዝሰፈኖ ሃይማኖት” ምዃኑ ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ (1ጢሞ 6፡6-8 ካ.ት)። መጽሓፍ ቅዱስና፡ “ብፍቓድ ስጋ ምንባር፡ ብስጋ ምንባር፡ ስጋውያን ወዘተ’ ዚብል ቃላት ይጥቀም’ዩ። እዚ ዅሉ ነቶም ብፍትወት ስጋኦም ዚምርሑ ሰባት ንምግላጽ ዚዝውተር ኣበሃህላታት’ዩ (ሮሜ 8፡5 ፣ 1ቈረ 3፡1)። ስጋና ኵሉ ጊዜ ብፍትወት ብትምኒት’ዩ ዝዓይዪ። ካልእ ሜላን ቋንቋን የብሉን። ሰይጣን ድማ ነዚ ናይ ስጋና ፍትወትን ትምኒትን እና’ፍልሐን እና’ዕፈረን’ዩ ዜበላሽወናን ዚገዝኣናን። ጐይታና፡ ናይ ፍትወትናን ናይ ሓጢኣትናን ባሮት ካብ ምዃን ምእንቲ ኼድሕነና፡ ኣብ ልዕሊ ስጋናን ፍትወታቱን ምልኪ ኺህበና። ኣብ ገዛእ ህይወትና ኽንገዝእ ኬኽእለና’ዩ፡ እዚ ዅሉ መሪር መከራ መስቀልን ሞትን ዝተቐበለ። ካብ ዕዳን መግዛእትን ናይ ስጋ ኸም ዝተላቐቕና፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፡ ከም ፍቓድ ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሮሜ 8፡12)። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ንፍቓድ ስጋና ናይ ምእዛዝ፡ ንፍትወት ስጋና ናይ ምግልጋል ግዴታ የብልናን”’ዩ ዚብለና ዘሎ። ንፍትወት ስጋና ናይ ምእዛዝ ዕዳን ግዴታን ከም ዘሎና ዄንና ብፍትወት ስጋና ኽንምራሕን ኽንምለኽን እንተ ፈቒድና ግን ሳዕቤኑ መሪርን ዘለኣለማውን’ዩ።
“ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ . . . ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሸውን’ዩ። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ’ዩ ዝዓጽድ። እቲ ንስግኡ ኬሐጕስ ኢሉ ዚዘርእ፡ ካብ ስጋኡ (ናይ ዘለኣለም) ሞት ኪዓጽድ’ዩ፡ እቲ ንመንፈስ ኬሐጕስ ኢሉ ዚዘርእ ከኣ፡ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ’ዩ።” ሮሜ 8፡13 ፣ ገላ 6፡7,8 ካ.ት
ስለ’ዚ ንፍትወት ስጋ ናይ ምግልጋል ዓስቢ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወይ ከለና ‘ንበላሽዎ፡ ኣብ’ቲ ድሕሪ ምጽኣትን ፍርድን ዘሎ ዘመን ናይ ዘለኣለም ሞትን ስቓይን ካብ ኰነ፡ ፍትወት ስጋ ኪመልከናን ንእኡ እነገልግለሉን እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧
ብፍትወት ስጋ ‘ትምራሕ ምዃን ዝኸፍአ በደል ዚገብሮ ድማ፡ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ምዃንና’ዩ። ብምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ካልኣይ ልደት ረኺብና ውሉድ ኣምላኽ ድሕሪ ምዃንና፡ እቲ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ኣካል ናይ ክርስቶስ’ምበር ናትና ሰብነት ኣይኰነን (1ቈረ 6፡15,19,20 ፣ 12፡27 ፣ ሮሜ 14፡7,8)። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ሰብነትና ንናይ ኣምላኽ ፍቓድ ዘይኰነ ንፍትወት ስጋ ኽንግዛእ ከለና፡ ከቢድ ጥልመትን ዓመጽን’ዩ። ንፍርዲ ናይ’ቲ ምርጫና ዝኸበደ ዚገብሮ ድማ እዚ ዕሉል ገበን’ዚ’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ጽውዓናን ትዕድልትናን እንታይ ምዃኑ፡ “ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ (ኻብ) ዚመጽእ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ኰንኩም፡” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (2ጴጥ 1፡3,4 ቀ.ት + ካ.ት)። ስለ’ዚ ካብ ፍትወት ስጋ ብዘይካ ጥፍኣት ካልእ ረብሓ የልቦን።
ነቲ ምስ ሰባት ዘሎና ዅሉ ዓይነት ማሕበራዊ ዝምድናታትና ዜበላሽዎን ዚበታትኾን’ውን ፍትወት ስጋ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፦ “እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ ድዩ ዚመጽእ ዘሎ፧ ካብ’ቲ ኣብ (ኣካላትኩም) ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም’ዶ ኣይኰነን፧” ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ (ያእ 4፡1 ካ.ት)። ስለ’ዚ ጥዕና ዘለዎ መንፈሳዊ ህይወትን፡ ተስፋ ዝመልኦ ዘለኣለማዊ መጻእን ኪህልወና እንተ ዀይኑ፡ ብፍትወት ስጋና ምስ ኣምላኽን ሰብን ምውጋእ ሓዲግና፡ ኵሉ ባእስናን ውግእናን ምስ ፍትወት ስጋና ኪኸውን ይግብኦ።
ብኸመይ ኢና ንፍትወት ስጋና ኽንስዕሮን ክንመልኮን ‘ንኽእል፧ ንምዃኑከ ክትመልኮ ክትቈጻጸሮ ይከኣል ድዩ፧ ብርግጽ ይከኣል’ዩ፡ ከም’ቲ ኣብ ሮሜ 8፡9,10 ዝረኣናዮ፡ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ገና ኣባና ሓዲሮም እንተ’ልዮም፡ ዘይንስዕሮ ፍትወት ስጋን ዘይንዕወተሉ ግብሪ ጽድቅን ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡
“እቶም ናይ ክርስቶስ (ዝዀኑ) ኸኣ፡ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ (ቀቲሎምዎ)’ዮም።” ብምባል ነታ ፍትንቲ መንፈሳዊት ጥበብ ኣግሂዱ ነጊሩና’ዩ (ገላ 5፡24 ካ.ት)። ደጋጊሙ’ውን “ነቲ ግብሪ ስጋ (ነቲ ፍትወት ስጋ) ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም . . . ስለ’ዚ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም፡ ማለት ንምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ ቅተሉ፡” ብምባል ተማሕጺኑና ኣሎ (ሮሜ 8፡13 ፣ ቈሎ 3፡5)። ንሕና እንተ ዘይቀተልናዮ፡ እቲ ፍትወት ስጋ ብርግጽ ብዘለኣለማዊ ሞት ኪቐትለና’ዩ። ንፍትወት ስጋ ኸም ኣቃትላ ሰብን እንስሳን ጌርካ ኽትቀትሎ ኸም ዘይከኣል ርዱእ’ዩ። “እምቢ” ኢልካ ኸይነአንግዶን ከይንእዘዞን እንተ ኣቕቢጽና ግን፡ ቀቲልናዮ ኸም ዘለና ርጉጽ ሓቂ’ዩ። ምኽንያቱ ፍትወት ስጋ ዀነ ሓጢኣት፡ ኣብ ስጋኻ እንተ ‘ግዛእካዮ’ዩ ህይወት ዚህልዎ’ምበር፡ ብገዛእ ርእሱ ህይወትን ህላወን የብሉን። እቲ ንስጋኡ ምስናይ ፍትወቱ ኺሰቅል ዝኸኣለ ሰብ፡ ነቲ “ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም (ንኣምላኽ) ኣቕርብዎ” ዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ዘውዓለ ሰብ’ዩ (ሮሜ 12፡1)። ፍትወት ዝነገሶ ሰብነት፡ ርኹስን ምውትን ኣምላኽ ዚጽየፎን መስዋእቲ’ዩ። ፍትወት ስጋ ኣብ ስጋና ዝተሰዅዐ ሕሱም ጸላኢና’ዩ’ሞ፡ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኽንስዕሮ’ምበር፡ ኪስዕረና ኣይግባእን’ዩ።
እምበኣር ርእስና ንመርምር’ሞ መንፈሳዊ ሃለዋትና ንፍለጥ። ፍትወት ስጋ እንተ ዀነ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ኼሰንየና’ዩ’ምበር ኣይኪለቅቀናን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነት፡ እናገንፈለ ኼበላሽወና ንዚለዓል ኵሉ ፍትወት ስጋ፡ ብዘይ ንሕስያ ክንቀትሎን ኣብ ትሕቲ እግርና ኽንረግጾን ይግባእ። እንተ ተሳዒርናሉን እንተ ተገዚእናዮን ግን፡ ድራር ናይ’ቲ ዘይጠፍእ ሓዊ ገሃነም ክንከውን፡ እቶም ዘይሞቱ ሓሳኹኡ ድማ መንጸፍናን መደረብታናን ኪዀኑ’ዮም’ሞ፡ ብፍትወት ስጋ ኣይንጠበር ኣይንመለኽ ከኣ!! (ማር 9፡43-48 ፣ ኢሳ 14፡11)።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
30 የካቲት 2025 | የካቲት 22, 2016 ግዕዝ (መበል 25 ሰንበት: ቊ.፳፭/25) |
||
ምስባክ መዝ. ፺፭(፺፭)፡፭,፮ “እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ። አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፬(፻፭)፡፩-፪ “ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ። ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ። ሰብሑ ወዘምሩ ሎቱ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ተሰ 4፡1-12 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 1፡13-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 3፡17-29 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 6፡16-24 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ ግነዩ ለእግዚአብሔር |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ