“ክርስቶስ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም ዝተገልጸ ትፈልጡ ኢኹም፡ ኣብኡ’ውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዚነብር ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት ኣይገብር’ዩ። ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ ግና፡ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፡ ኣይፈለጦን’ውን። . . . ካብ መጀመርታ ሒዙ ዚሓጥእ ዘሎ ድያብሎስ’ዩ’ሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር (ሰብ) ካብ ዲያብሎስ’ዩ፡ ወዲ ኣምላኽ (ኢየሱስ) ከኣ፡ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ’ዩ ዝተገልጸ። ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ፡ ባህርይ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዘሎ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን’ዩ፡ . . . ሓጢኣት ኪገብር (ኣይኰነሉን’ዩ)። . . . ደቂ ኣምላኽን ደቂ ዲያብሎስን በዚ’ዮም ዚፍለጡ፣” 1ዮሃ 3፡5,6,8-10 ካ.ት።
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሓምሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ለካቲት 8 “በዓለ ስምኦን”’ዩ ዚበሃል። ካብ ለካቲ 6 ኽሳዕ ለካቲት 12 ዘሎ ዕለታት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ “መሀሩነ እለ ቀደሙነ” ዘርእስቱ’ዩ። ስምኦን ናይ ትንቢት ውህበት-ጸጋ ዝነበሮ ዓብይ ናይ ኣምላኽ ሰብ’ዩ ዝነበረ “እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ።” ሉቃ 2፡25።
ኵላቶም ነብያት ነቲ ብዛዕባኡ ዚነበዩሉ ዝነበሩ “መሲሕ፡ ክርስቶስ፡ ቅቡእ” ዝዀነ ኢየሱስ ኪርእዮ እናበሃጉን ብዛዕባኡ እናመርመሩን’ዩም ዝሓለፉ። ነብዪ ስምኦን ግን ነቲ ቕቡእ ናይ እግዚኣብሄር ዝዀነ ኢየሱስ ብዓይኑ ኸይረኣዮ ኸም ዘይመውት፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብርጉጽነት ዘተስፈዎ ዕድለኛን ክቡርን ነብዪ ነበረ (ሉቃ 2፡26)። ከም’ቲ ዝተዋህቦ ተስፋ ድማ፡ ህጻን ኢየሱስ፡ ኣብ ናይ 40 መዓልቲ ዕድሚኡ ነቲ ባዕሉ ዝሰርዖ ሕጊ ሙሴ ኺፍጽሞ ናብ ቤት መቕደስ ምስ መጸ፡ መንፈስ ቅዱስ መሪሑ ንስምኦን ናብ ህጻን ኢየሱስ ኣምጽኦ። እቲ መድሓኒ እየናይ ምዃኑ’ውን ኣመልከቶ። ብኸም’ዚ ኸኣ፡ ንፈጣሪኡን ንጐይታኡን ንመድሓኒኡን ኣብ ኢዱ ኺሓቍፍ በቕዐ። እቲ ዝተዋህቦ ተስፋ ከም ዝተፈጸመ ምስ ረኣየ ድማ፦ “ኦ ጐይታይ፡ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ (ምኽንያቱ) ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ርእየናኦ’የን። እዚ (ህጻን’ዚ) ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳለኻዮ ድሕነት’ዩ። ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ ዚገልጽ’ዩ።” ብምባል ንኣምላኹ ኣመስገነ (ሉቃ 2፡28-32)። ነብዪ ስምኦን ንቕዱስ ዮሴፍን ንቕድስቲ ማርያምን ምስ ባረኾም ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ሓያል ትንቢት ተነበየ።
“እንሆ’ዚ ህጻን’ዚ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ናይ ምውዳቖምን ምትንሳኦምን ምኽንያት፡ ከምኡ’ውን ዘይቅበልዎ ምልክትን (ትእምርትን) ኪኸውን ዝተመደበ’ዩ፡ ንኣኺ ድማ ናይ ብዙሓት (ሰባት) ሓሳባት ልቢ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ሓዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ኺስንጥቖ’ዩ።” ሉቃ 2፡34 ካ.ት።
እዚ ትንቢት’ዚ ሽዑ ብዛዕባ እስራኤል’ኳ እንተ ተዘርበ፡ ኣብ ዘመንና’ውን እንተ ዀነ መዓልቲ መጸ ብግብሪ ዚፍጸም ዘሎ’ዩ። ሕጂ’ውን ኢየሱስ ነቶም ዘይኣመንዎን ዘይተኣዘዝዎን ናይ ምውዳቖም ምኽንያትን ትእምርትን፡ ነቶም ብምሉእ ልቦም ዝኣመንዎን ብግብሪ ዚእዘዝዎን ኵሎም ድማ ናይ ምትንሳኦም ምኽንያትን ምልክትን ይኸውን ኣሎ። እዚ ነብዪ ስምኦን ዚዝከረሉ በዓልን ቅንያትን ድማ፡ ንሕና ንርእስና ኻብ’ቶም ብእኡ ዚወድቁን ዚስበሩን ወይ ከኣ ካብ’ቶም ብእኡ ዚትንስኡን ዚድሕኑን፡ ካበየኖት ምዃንና ክንምርምርን ከነረጋግጽን ይብድሃና ኣሎ።
እዚ ናይ’ዚ ዕለ’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ’ውን፡ እቶም ዝቐደሙና ኣቦታት፡ ብዛዕባ’ቲ ንድሕነትና ዚፍጸም ቀዳማይ ምጽኣት ክርስቶስ ከም ዝመሃሩና ዚእመን’ዩ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ወዲ ኸም ‘ትወልድ ብዛዕባ ልደቱ ንማርያም ከም ዝነገራ፡ ዕለተ ሕርሳ በጺሑ ኸም ዝወለደት፡ እቲ ብስምኦን ዝተሓቝፈ ብዮሃንስ እተጠምቀ ኢየሱስ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣቦ የማኑን ምኽሩን ምዃኑ ኬድሕነና’ውን ከም ዝመጸ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዝተዳለወ ምድሓን’ዚ ብጐይታ ዝተኣዘዘን ዝተዳለወን ምዃኑ ዜረጋግጸልና መዝሙር’ዩ። ኣብ’ቲ በዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ናይ ሉቃ 2፡25-40 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ነዚ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ናይ ነብዪ ስምኦንን ምርኻብ ብዝርዝር ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ናይ 1ዮሃ 3፡1-9 ንባብ’ውን፡ ጐይታና ብስጋ ዝተወልደሉን ዝተገልጸሉን ዕላማ እንታይ ምዃኑን ንኣና ብኸመይ ከም ዜድሕነናን ኣገዳስን ግብራውን ምስጢር ዚገልጸልና’ዩ። ናይ ጐይታና ልደትን ሞትን ትንሳኤን ኪዳናዊ ፍጻመ’ምበር፡ ውልቃዊ (ብሕታዊ) ተግባር ኣይኰነን “ኪዳናዊ’ዩ” ማለት ድማ እቲ ዜድሕን ኣምላኽን እቲ ዚድሕን ሓጥእ ሰብን ብሓባር ዚዋስኡሉ ጕዳያት ከም ዘሎ ዜመልክት’ዩ። እቲ ንድሕነትና ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪግበር ዚግብኦ ዅሉ ብዘይ ዝዀነ ተረፍ ብፍጹምነት ተገይሩ’ዩ። እቲ ኺዳን ምሉእ ብምሉእ ኪትግበርን ውጽኢትዊ ኪኸውንን ተሪፉ ዘሎ ግደ እቲ ድሕነት ዜገድሶን ዜድልዮን ሰብ ኪገብሮ ዚግባእ ግደ’ዩ። እቲ ድሕነት ፍጹም ዚኸውን፡ እቶም ክልተ ሰብ ኪዳን፡ ገግዲኦም ብምልኣት ምስ ዚትግበሩ ጥራሕ’ዩ። እግዚኣብሄር በታ ሓንሳእ ንሓዋሩ እትኸውን መስዋእቲ ክርስቶስ፡ እቲ ኺዳን ካብኡ ዚጠልቦ ዅሉ ፈጺሙ ወዲኡ’ዩ። ሰብ ግና መለኮት ስለ ዘይኰነ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ኺገብር ኣይክእልን’ዩ። ኣብ’ተን ኣምላኽ ብህይወት ኪነብረለን ዝሃቦ ዓመታት ዕድሚኡ፡ ኣብ ጸጽባሕ መዓልቲ መጸ’ዩ ግዲኡ ዚፍጸም። ናይ ሎሚ ኣርእስትና’ምበኣር ነዚ ምስጢር’ዚ’ዩ ዚገልጸልና።
እዚ ኺዳን’ዝስ እምበርዶ ግብራዊ’ዩ፧ ንምንታይ ኢና ሓጢኣት ዘይንገብር፧ ኣብ ታሪኽ ናይ ኣምላኽ ኰነ ኣብ ታሪኽ ደቂ ኣዳም፡ ነዚ ኺዳን’ዚ ዚመስልን ዚዳረግን ካልእ ኪዳን ይኹን ካልእ ግብሪ ፈጺሙ የልቦን። እግዚኣብሄር ዚኣክል ኣምላኽ ሰብ ዝዀነሉን ዝሞተሉን ኪዳን’ሞ ምስ ምንታይ ካልእ ኪዳንን ግብርን ከነመሳስሎ ኢና፧ ከም’ዚ ዝበለ ኻልእ ግብራውን ውጽኢታውን ኪዳን ኪህልው ኢልካ’ውን፡ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ብዛዕባ ግብራውነት ናይ’ዚ ኺዳን’ዚ ናብ ሕቶን ጥርጥርን ዜእትወና፡ ዘይምፍላጥና፡ እቲ ነእምሮና ኣጸልሚትዎ ዘሎ መንፈሳዊ ድንቍርና’ዩ። እምነት ክርስትና ኪዳናዊ እምነት ምዃኑ፡ ብመሰረቱ ኪዳን እንታይ ማለት ምዃኑ ዘይንፈልጥ ስለ ‘ንበዝሕ፡ እምነትና ወይ ሃይማኖትና ዜሰክመና ሓላፍነት እንታይ ምዃኑ ዘይንፈልጥ’ውን እምብዛ ብዙሓት ኢና። እዚ ድማ’ዩ ሓጢኣት ኣብ ዘይፈቅድ ሃይማኖት እናሃለና፡ ኣብ ሓጢኣት ተኣሊኽና ኽንነብር፡ “ሓጢኣት ኣይትግበር” ዚብል ትምህርትን መምህርን ኬጋጥመና ኸሎ ድማ ምቕባሉን ምጻሩን ኪኸብደና፡ ዘይንቡር ኰይኑ ኺስምዓና ዚገብረና ዘሎ።
መጽሓፍ ቅዱስን፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰረቱ መሰረተ እምነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እምነት ክርስትና፡ ኪዳናዊ ሃይማኖት ምዃኑ’ዩ ዜረጋግጸልና። “ሃይማኖት” ዚብል ቃል፡ ናይ ቋንቋ “ኣራማይስጢ” (Aramaic) ቃል’ዩ። እዚ ቛንቛ’ዚ ኣብ’ቲ ጐይታ ዝነበረሉ ዘመን ብዓብላልነት ኣብ ሶርያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምድሪ እስራኤል ዚዝውተር ዝነበረ ቛንቋ’ዩ። እቶም እምነት ክርስትና ናብ ሃገርና ዘተኣታተው ሶርያ ዝመበቈሎም መነኮሳት ዘውረሱና ቃል ኰይኑ ኣብ ግእዝን ካብኡ ኣብ ዝበቘሉ ዅሎም ቛንቋታትን ዝሰረጸ’ዩ። ትርጕሙ ድማ “እምነት” ማለት’ዩ። እምበኣር ሃይማኖት ክርስትና ኪዳናዊ እምነት’ዩ። እቲ ኪዳን ድማ “ሓድሽ ኪዳን” ይብሃል። እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ሓድሽ ኪዳን ከም ዚኣትው፡ ብቕዱሳን ነብያት ኣቐዲሙ ቅድሚ ኣማኢትን ኣሽሓትን ዓመታት ኣፍሊጡ’ዩ (ኤር 31፡31-34 ፣ እብ 8፡8 ፣ 10፡16)። እዚ ኺዳን’ዚ ዚቘመሉን ዚፍጸመሉን ምዱብ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ፡ እቲ ነዚ ኺዳን’ዚ ዜቕውምን ዚፍጽምን እግዚኣብሄር ወልድ ሰብ ኰይኑ ተወልደን ተገልጸን (1ጢሞ 3፡16 ፣ 1ጴጥ 1፡20 ፣ ገላ 4፡4 ፣ 2ጢሞ 1፡9,10)። እቲ ኺዳን ናይ ግድን ብደም ስለ ዚቐውም ከኣ፡ ደም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኪፈስስ ናይ ግድን ኰነ (ሉቃ 17፡25 ፣ 9፡22 ፣ ማቴ 17፡22 ፣ 16፡21 ፣ ማር 8፡31)። ኣብ’ታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት ድማ፡ ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ ንኣቦ ድሕሪ ምምስጋኑ፡
“እዛ ጽዋእ’ዚኣ፡ እቲ (ንሕድገት ሓጢኣት) ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን’ያ። (ካብ’ዚ ዅልኹም ስተዩ)።” ብምባል ነቲ ኺዳን ከም ዘቘሞ ብወግዒ ኣፍለጠ (ሉቃ 22፡20 ፣ ማቴ 26፡27,28)። ስለ’ዚ ድማ ቅዱሳን ሃዋርያት ነቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም፡ “ደም ኪዳን” ኢሎም ሰመይዎ (እብ 10፡29 ፣ 13፡20,21)። ኪዳን፡ ኵሉ ጊዜ መኣዲ ኣለዎ፡ እቲ መኣዲ ድማ እቲ ንኺዳን ዝተሰውአ እንስሳ’ዩ። ናይ ሓድሽ ኪዳን ገንሸል፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እቶም ምስኡ ኪዳን ዝኣተና ኽንምገቦ፡ ስጋኡን ደሙን ብምስጢረ ቍርባን ሕብስትን ወይንን ገይሩ ሃበና (ማቴ 26፡26-29 ፣ ዮሃ 6፡51-58)። ንዅሉ ኪዳን ቃል ኣለዎ። ናይ’ዚ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቃል ድማ እግዚኣብሄር ንሓጢኣትና ሕድገት ኪገብር፡ ንሕና ድማ ሓጢኣት ምግባር ሓዲግና ብጽድቂ ኽንነብር’ዩ። እዚ ብመስዋእትን ደምን ናይ ክርስቶስ ዝቘመ ኺዳን ንኣና ንሰብ-ኪዳን እንታይ ከም ዚጠልበና፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፦ “ካብ ሓጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ (ኢየሱስ ባዕሉ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብነቱ ጾሮ። ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።” ብምባል ነቲ ናይ ኪዳን ቃል ብንጹር ኣስፊሩልና ኣሎ (1ጴጥ 2፡24 ካ.ት)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “እምበኣር (ነቲ ዝኣተኹምዎ ሓድሽ ኪዳን’ምበር)፡ ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ፡ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። (ንሓጢኣት) ሞይቶም (ንጽድቂ) ኸም ዝተንስኡ (ሰባት መጠን) ገዛእ ርእስኹ (ብጽድቂ) ንኣምላኽ ወፍዩ’ምበር፡ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ። ኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ። (ምኽንያቱ) ትሕቲ ጸጋ’ምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ሰለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን’ዩ።” ብምባል ምስ ሓጢኣት ክንባተኸሉ ዚግብኣና ምኽንያት ኣነጺሩልና ኣሎ (ሮሜ 6፡11-14 ካ.ት)። ብዓብዪ ኸኣ መሪሕ ጥቕስና ናይ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ናይ ሓድሽ ኪዳን ውዕል ናትና ግደን ሓላፍነትን “ሓጢኣት ዘይምግባር” ምዃኑ፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኣብሪሁን ኣድሚቑን ገሊጹልና ኣሎ። ንሕናን ኣምላኽን ብደም ክርስቶስ ዝኣተናዮ ሓድሽ ኪዳን ነቲ ግብሪ ድያብሎስ ዝዀነ ሓጢኣት ከነርሕቖን ከነፍርሶን’ዩ። ነዚ ኺዳን’ዚ ስለ ዝኣተና፡ በዚ ኺዳን’ዚ ክርስትያን ስለ ዝዀንና ኸኣ፡ “ውሉድ ኪዳን ኢኹም” ተባህለልና (ግብ 3፡25)። ክርስቶስ ድማ “ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን” ተባህለ (እብ 9፡15)። እዛ ክርስቶስ ዝመንጎኛኣ ኪዳን ድማ “ዝበለጸ ተስፋ ዘለዋ፡ ዝበለጸ ኣገልግሎት እትህብ፡ ብልጽቲ ኪዳን” ተባህለት (እብ 8፡6-13)።
ሰብከ ሓጢኣት ከይገበረ ኺነብርዶ ይኽእል’ዩ፧ እግዚኣብሄር እቲ ፍትሓውን ርትዓውን ኣምላኽ፡ ሰብ ኪገብሮ ዘይክእል ነገር ኣይእዝዝን’ዩ። ቃል እግዚኣብሄር ከኣ፡ ሰብ “ሓጢኣት የብለይን፡ ኣይገበርኩም” ኪብል ከም ዘይክእል፡ እንተ በለ ኸኣ፡ ከምኣ ብምባሉ ጥራሕ ንርእሱን ንኣምላኽን ሓሳዊ ኸም ዚገብር ብኣጽንዖት ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 1፡8-10 ፣ እዮ 9፡2 ፣ 4፡17,18 ፣ 25፡4-6 ፣ መዝ 130፡3 ፣ ምሳ 20፡9 ፣ 30፡12,20 ፣ መክ 7፡20)። ስለ’ዚ ኣብ መንጎ’ዚ ተጻራሪ ዚመስል ክልተ ሓሳባት፡ ሓደ ኺንጽር ዚግብኦ መንፈሳዊ ሓቂ ኣሎ ማለት’ዩ። ሰብ ብሰሪ’ቲ ሒዝዎ ዚውለድ ኣዳማዊ ሓጢኣት (ሓጥእ ባህርይ)፡ ናብ ሓጢኣት ኪወድቕ ዚኽእል ድኹም ፍጥረት’ዩ። ሓጢኣት ግን ክልተ ዓይነት’ዩ። እቲ ቐዳማይ፡ ከይፈለጥካ ወይ ከይፈተኻ ተዓንቂፍካ እትወድቆ ሓጢኣት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ እናፈለጥካን ፈቲኻን ኰነ ኢልካ ብሕርያ ብውሳነ እትገብሮ ሓጢኣት’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ዋላ ኣብቲ ንሕድገት ሓጢኣት ዚምልከት ናይ ብሉይ ኪዳን ሕጊ’ውን ብንጹር ተገሊጹን ተሰሪሑሉን’ዩ። ናይ ብሉይ ኪዳን መስዋእቲ እንስሳ፡ ነቲ ከይፈለጥካ ብስሕተት ዚግበር ሓጢኣት ጥራሕ ዚምልከት’ዩ (ዘሌ 4፡2,22,27 ፣ 5፡2,3,15,17 ፣ ዘሁ 15፡22,23,24,27,28)። ነቲ ብድፍረት ኰነ ኢሉ (ብልዕልቲ ኢድ) ሓጢኣት ዚገብር ግና፡ ካብ ማእከል ህዝቡ ብሞት ኪምንቈስ’ዩ ዚእዝዝ (ዘሁ 15፡30,31)። ናይ’ዚ ኽልቲኡ ዓይነት ሓጢኣት ኣብነት ዚዀኑና፡ ይሁዳ ኣስቆሮታውን ሃዋርያ ጴጥሮስን’ዮም። ይሁዳ፡ ኣጸቢቑ ሕሲቡሉ፡ ምስ ልቡ መኺሩ፡ ኰነ ኢሉ ብውሳነ ዝነበሮ ኽሕደት ስለ ዝነበረ፡ ዋላ’ኳ ናይ ጣዕሳ ምልክትን ስጕምትን ወሲዱ እንተ ነበረ፡ ናብ ዝገደደ ኻልእ ሓጢኣት ደኣ ወደቐ’ምበር፡ ንንስሓ ዜብቅዖ ዕድል ኣይረኸበን። ቅዱስ ጴጥሮስ ግና ምእንቲ ጐይታኡ ህይወቱ ኼሕልፍ ዚድርኾ ፍቕሪ’ምበር፡ ናይ ክሕደት ሓሳብ ፈጺሙ ኣይነበሮን። ጐይታ ብርጉጽነት እናነገሮ’ኳ፡ ከም ዘይክሕድ ዝዀነ ጥርጥር ኣይነበሮን። እታ ናይ ፈተና ሰዓት ምስ በጽሐት ግን ልቡ ብፍርሃት ተናዊጹ፡ ኣዝዩ ብዜሕፍር መገዲ ኸሓደ። እቲ ዝተዋህቦ ናይ ደርሆ ነቆ ምልክትን ናይ ጐይታ ቈላሕታን ምስ ረኣየ ግና፡ ናይ ፍታው ሓጢኣት ዘይምግባሩ ዜረጋግጽ ብመሪር ብኽያት ዝተሰነየ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ኣተወ። እዚ ሓጢኣት’ዚ ይትረፍ ኬፍርዶ፡ ካብ’ቲ ናይ ርእሳ ሃዋርያት ማዕርጉ’ኳ ኣየውረዶን። ልዕሊ’ቲ ድኹም ዓቕምና ዝዀነ ፈተና ዓንቂፉና እንወድቀሉ ሓጢኣት፡ ሓጢኣት ምዃኑ ዘይተርፍ’ኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ድኻምና ዚፈልጥን ልቢ ዚምርምርን ኣምላኽ ይርድኣልና’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ብንስሓ ኼንጽሃና ድሉው’ዩ። ነቲ እናፈለጥካ ፈቲኻ ዚግበር ሓጢኣት ከይንውዕሎ ግን ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ይግብኣና። ምኽንያቱ ንስሓ ዜኽልእ፡ ደገ ምሕረት ዜዕጽው እኩይ ግብሪ ምዃኑ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩልና ኣሎ (እብ 10፡26-31 ፣ 6፡4-8)። ቅዱስ ዮሃንስ’ውን፡ “ናብ ሞት ዜብጽሕ (ንስሓ ዘይብሉን) ናብ ሞት ዘየብጽሕ (ንስሓ ዚርከቦን) ሓጢኣት” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (1ዮሃ 5፡16,17)። ነዚ እናፈለጥካ ፈቲኻ ኰነ ኢልካ ዚግበር ሓጢኣት ዘይምግባር ዓቕምና’ዩ። ከነመኽንየሉ ‘ንኽእል ኣይኰነን። ነዚ እንስዕረሉ ዜኽእል ጸጋ’ውን ስለ ዚህበና ናብ’ዚ ሓጢኣት’ዚ እንወድቀሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን።
እቲ ዝኣተናዮ ኪዳን ሓጢኣት ከይንገብር ካብ ኣዘዘ፡ ብኸመይ ኢና ኽንትግብሮ ‘ንኽእል፧ መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሕቶ’ዚ ኺምልስ’ዩ ዝተጻሕፈ። ቅዱስ ዮሃንስ ነዚ ሓጢኣት ናይ ዘይምግባር ምስጢር፡ በዚ ዚስዕብ ክልተ ነጥብታት መሊስዎ ኣሎ።
1ይ. ካብ ኣምላኽ ዝተወለድካ ምዃን፡
2ይ. ኣብ ክርስቶስ ‘ትነብር ምዃን፡
ካብ ባዶ ተበጊስካ፡ ብሃንደበት ሓጢኣት ዘይገብር ሰብ ምዃን ኣይከኣልን’ዩ። ሓጢኣት ዘይገብር ሰብ ንኽትከውን ናይ ግድን ክንኰኖ ወይ ከነማልኦ ዚግብኣና ረቛሒታት ኣሎ። ንእኡ ኸየማላእና ነቲ ናይ ዘይምሕጣእ ትእዛዝ ከነተግብሮ እንተ ፈተንና፡ ኣይሰልጠናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብ ግጉይ መደምደምታ ገጹ ዜጽድፈና’ዩ። “ብዘይ ሓጢኣት ኪንበር ኣይከኣልን’ዩ” ዚብል ሰይጣናዊ መደምደምታ፡ እዚ ከንቱ ሃቐናን ፈተነን’ዚ ዚወልዶ’ዩ። እዚ ዝምቡዕ መደምደምታ’ዚ ምስ’ቲ ናይ ኣምላኽ ሓቂ፡ ገጽ ንገጽ ኽንራጸም ሰይጣን ዜዕጥቐና እኩይ ኣጽዋር’ዩ።
1. ካብ ኣምላኽ ዝተወለድካ ምዃን፦ መሪሕ ጥቕስና ኪድምድም ከሎ ብዛዕባ ኽልተ ዓይነት ውልድነት ጠቒሱልና ኣሎ። “ደቂ ኣምላኽን ደቂ ዲያብሎስን በዚ’ዮም ዚፍለጡ” ዚብል ቃል፡ ናይ መንነት መለለዪ ምልክት ከም ዘሎ ዜረጋግጸልና’ዩ። እቲ “በዚ” ተባሂሉ ዘሎ ምልክት ድማ “ሓጢኣት”’ዩ። ኣብ ክርስቶስ ሓጢኣት ፈጺሙ ኸም ዘየሎ፡ ድያብሎስ ግና ካብ መጀመርታ ሒዙ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ቁም ነገርን ግብርን ከም ዘይብሉ ገሊጹልና ኣሎ። ኵሉ ሰብ ድማ ነናይ ኣቦኡ’ዩ ዚገብር። እቲ ኻብ ድያብሎስ ዝተወልደ፡ ልክዕ ከም ኣቦኡ፡ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ግብሪ ኺህልዎ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ገባር ሓጢኣት’ዚ፡ ንክርስቶስ ኣይፈልጦን’ዩ፡ ኣይረኣዮን’ውን’ዩ። ስለ’ዚ “ብዘይ ሓጢኣት ክነብር ኣይክእልን’የ” ኢልካ ምሕሳብን ምዝራብን፡ “ኣነ ኣቦኡ ዘፍለጠ ወዲ ድያብሎስ’የ ስጋ ዝለበሰ ጋኔን’የ” ምባል ማለት’ዩ።
ካልእ ኣማራጺ ግን ኣሎና። ንሱ ኸኣ ውሉድ ኣምላኽ ምዃን’ዩ። ናይ ደቂ ኣምላኽ ቋንቋ ድማ፡ “ሓጢኣት ክገብር ኣይኰነለይን’ዩ፡ ምስ ሓጢኣት ክነብር ኣይደልን’የ” ዚብል’ዩ። ክርስቶስ ነቲ ግብሪ ድያብሎስ ዝዀነ ሓጢኣት ኬፍርስን ኬርሕቕን’ዩ ዝተገልጸ። እዚ ናይ ክርስቶስ ግብሪ፡ ካብ ዘይምሕጣእ ሕልፍ ዝበለ፡ ልዕል ዝበለ ምዃኑ ነስተውዕሎ። እቲ ኸም ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስትያን ድማ ነዛ ንውልቁ ኻብ ዘይምሕጣእ ሓሊፉ ነቲ ሓጢኣት ዜፍርይ ግብሪ ድያብሎስ ንምፍራስ ኪዕጠቕን ኪዋጋእን ናይ ውልድነት መለለዪኡ’ዩ።
ስለ’ዚ እቲ ኺሓጥእ፡ ውሉድ ድያብሎስ ኪኸውን ዘይደልይ ሰብ፡ መጀመርታ ኺገብራ ዚግብኦ ውሉድ ኣምላኽ ምዃኑን፡ ኣብ’ቲ ውልድነቱ ጸኒዑ ይነብር ምህላውን ምርግጋጽ’ዩ። እቲ ውሉድ ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ፡ ልክዕ ከም’ቲ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝገበሮ’ዩ ዚገብር። ካብ ኣምላኽ ካልኣይ ወይ ዳግማይ ልደት ዘይተወልደ ሰብ፡ ወዲ ዲያብሎስ ስለ ዝዀነ ናብ መንግስተ ሰማያት ፈጺሙ ኸም ዘይኣትው ጐይታና ብኣጽንዖት ኣረጋጊጹልና’ዩ (ዮሃ 3፡3-7)። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ በቲ ጐይታ ዝሰርዓላ ምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ነዚ ኻልኣይ ልደት’ዚ ስለ ዝጸገወትና፡ ነቲ ውልድነት’ዚ ረኺብናዮ ኢና። እንተ ዀነ፡ እቲ ኣዝዩ ዜገድስ ውልድነት ምርካብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንውልድነትካ ክትዕቅቦን ክትነብረሉን ምኽኣል’ዩ። “ሎሚ ውሉድ ኣምላኽ ዲኹም” ኢልና እንተ ተሓቲትና፡ ናይ ጥምቀትና ምስክር ወረቐት (ሰርቲፊኬት) ወይ’ውን ናይ ጥምቀትና ደረቕ ስእልን ቪድዮን ኣይኰንናን ንውከስ። ነታ ንነብራ ዘለና ዓይነት ህይወት ኢና ንውከስን ንምርምርን። ብሓጢኣት ዝጋዕዘየን ዝተደወነን ህይወት እንተ’ልዩና ብርግጽ ካብ ደቂ ኣምላኽ ናብ ደቂ ድያብሎስ ተለዊጥና፡ ናይ መበቈልን ናይ መንነትን ለውጢ ጌርና ኣለና ማለት’ዩ። ንእግዚኣብሄር ድቓላ ውሉድ የብሉን። ደቂ ኣምላኽ ብፍታዎም ሓጢኣት ኣይገብሩን’ዮም። ብሰሪ ድኻም ስጋ ተዓንቂፎም ብዘይ ፍቓዶም እንተ ሓጥኡ ድማ ከይወዓሉ ከይሓደሩ ብንስሓን ብደም ክርስቶስን (ብምስጢረ ቍርባን) ተሓጺቦም ናብ’ታ ናይ ውሉድነት ንጽህናኦም ዚምለሱ፡ ክዳውንቶም ዜጻዕድው (ጽድቆም ዚሕድሱ)’ዮም።
ንደቂ ኣምላኽ ሓጢኣት ኪገብሩ ዘይኰነሎም፡ ካብ ባዶ ተላዒሎም ኣይኰኑን። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ብውልድነቶም ባህርይ ኣምላኽ ወሪሶም’ዮም። ነቲ ናይ ስጋ ወላዲና ኣዳም ዘውረስና ሓጥእ ባህርይ’ምበር፡ ነቲ ናይ መንፈስ ወላዲና ዝዀነ ኣምላኽ ዘውረስና ባህርይ እንተ ዘይሒዝና፡ ከም’ቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝዀኖ፡ ካብ ሓጥእ ሰብ ምዃን ሓሊፍና ብቐንዱ ሓጢኣት ናብ ምዃን፡ ድያብሎስ ናብ ምዃን ክንዓብይ ንኽእል ኢና (ዮሃ 6፡70)። እግዚኣብሄር ከኣ ብዳግማይ ልደት ባህርዩ ስለ ዜውርሰና’ዩ፡ ከይንሓጥእ ብኣጽንዖት ዚእዝዘና። ብምስጢራት ቤተ ክርስትያን ውልድነት ተቐቢልና፡ ባህርይ ኣምላኽ ወሪስና ኸነብቅዕ፡ ኣብ’ቲ ግብራዊ ናብራና ባህርይ ሰይጣን ለቢስና ሓጢኣት እና’ዘውተርና ንነብር እንተ’ሊና ግን፡ ከም’ቲ ነብዪ ኤርምያስ ዝበሎ፡ ናብ ድቓላ (ሓንፈጽ) ተለዊጥና፡ ርእስና ኣበላሺና ኣለና ማለት’ዩ (ኤር 2፡21,22 ፣ ኢሳ 5፡1-7)።
2. ኣብ ክርስቶስ ‘ትነብር ምዃን፦ መሪሕ ጥቕስና ብቐዳምነት ኣስፊርዋ ዘሎ ነዛ ነጥቢ’ዚኣ’ዩ። ከይተወለድካ ኺንበር ስለ ዘይከኣል ግን፡ ኣቐዲምና ነቲ ኻብ ኣምላኽ ምውላድ ክንርእይ ኣድለየና። ናይ’ቶም ካብ ኣምላኽ ዝተወልዱ ሓቀኛታት ክርስትያን መንበሪ፡ ክርስቶስ’ዩ። ብኣካለ ስጋ እንነብረሉ ቦታ፡ ነጋሪ ዘይንደልየሉ ፍሉጥ ነገር’ዩ። ንሕና ግን “ብመንፈስ ንበሩ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ” ተባሂልና ዝተኣዘዝና ስለ ዝዀንና፡ እቲ ብመንፈስ እንነብረሉ’ምበር፡ እቲ ብኣካለ ስጋ ‘ንነብረሉ ኣይኰነን ዜገድስ (ገላ 5፡16,18,25 ካ.ት + ቀ.ት)፡ ብመንፈስ ዚነብሩ ድማ እቶም መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮም’ዮም (ሮሜ 8፡8,9,12-15)። ነብዪ ሙሴ “እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻ’ዩ . . . “ ከም ዝበለ፡ እቲ ብመንፈስ ዚነብር ሓቀኛ ክርስትያን፡ ህይወቱ ኣብ ኣምላኽ ጥራሕ’ያ ትነብር (ዘዳ 33፡27 ፣ ኤፌ 2፡5-7 ፣ ቈሎ 3፡1-4 ካ.ት)። ካብ ኣምላኽ ተወሊድናስ፡ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ከም ዘለና ዘየማትእ ርጉጽ መርትዖ ዀይኑ ዜገልግለና ድማ ትእዛዛቱ እንሕልውን፡ ከም’ታ ክርስቶስ ዚነብራ ዓይነት ህይወት ምስ እንነብር’ዩ።
“ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ፡ ኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ።”
“ከምቲ ንሱ ዝሀበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድናውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ። እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 3፡23,24
“ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። “ 1ዮሃ 4፡13
ጐይታና’ውን ብኸመይ ንሱ ኣባና ንሕና ኸኣ ኣብኡ ከም ‘ንነብር ደጋጊሙ ገሊጹልና’ዩ (ዮሃ 6፡56 ፣ 14፡20-23 ፣ 17፡21-23 ካ.ት)። ብፍላይ ኣብ’ቲ ንሱ ሓቀኛ ጕንዲ ወይኒ ምዃኑ ዝገለጸሉ ጊዜ፦ “ኣባይ ንበሩ፡ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም ክነብር’የ። ጨንፈር ኣብ’ቲ ጕንዲ እንተ ዘይነበረ ኻብ ርእሱ ኺፈርይ ከም ዘይክእል፡ ንስኻትኩም’ውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም፡ ከምኡ (ጽድቂ ዘይተፍርዩ) ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ’የ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም። እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነ’ውን ኣብኡ፡ ንሱ’ዩ ብዙሕ ፍረ (ጽድቂ) ዚፈርይ። ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ኸም ጨንፈር ናብ ወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ፡ ኣባይ እንተ ነበርኩም ቃለይ’ውን ኣባኻትኩም ኣንተ ሓደረ፡ ‘ትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ’ሞ ይዀነልኩም።” ኢሉና ኣሎ (ዮሃ 15፡4-7 ካ.ት)። ስለ’ዚ ሓጢኣት ምፍራይ ዜብቅዕ ንኣምላኽ ዜኽብር ፍረ ጽድቂ ምፍራይ ዚበዝሕን፡ ነቲ ብምስጢር ጥምቀትን ሜሮንን ዝረኸብናዮ ውልድነት፡ ኣብ’ቲ ናይ ባህርይ ወዱ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምንባር’ዩ። ትነብረሉ እንተ ቐዪርካን እንተ ኣበላሺኻን ግን፡ ነቲ ብልሽውን ናብ ሓዊ ዜደርብየካን ሓጢኣት ካብ ምፍራይ ክትዓርፍ ፈጺምካ ዘይከኣል’ዩ።
እምበኣር ገዛእ ህይወትና ብዘይ ንሕስያ ብዕቱብ ንመርምር’ሞ፡ ኣበይ ንነብር እንታይከ ንፈርይ ከም ዘለና ነረጋግጽ። ረብሓ ሓጢኣት ዘለኣለማዊ ጥፍኣትን ስቓይን ጥራሕ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ሓጢኣት ዘየግብር ምስጢር’ዚ ፈሊጥናን ተጠቒምናን ንህይወትና ንበጀዋን ነድሕናን። ነዞም ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርና ደቂ ኣዳም፡ ውሉድ ኣምላኽ ካብ ምዃንን፡ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምንባርን ዚበልጽ ካልእ ክብርን ረብሓን የብልናን’ሞ፡ ነዚ ዜድሕንን ዜጽድቕን ምስጢር’ዚ ብግቡእ ንጠቐመሉ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
16 የካቲት 2025 | የካቲት 8, 2016 ግዕዝ (መበል 23 ሰንበት: ቊ.፳፫/23) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፪(፻፪)፡፭,፮ “ዘያጸግባ እምበረከቱ ለፍትውትከ። ዘይሔድሳ ከመ ንስር ለውርዙትከ። ገባሬ ሣህል እግዚአብሔር።” “ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ’ዩ፡ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር’ዩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ጢሞ 5፡1-11 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 3፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 3፡17-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 2፡25-40 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ መሀሩነ እለ ቀደሙነ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ