S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓጢኣት ዘየግብር ምስጢር (መበል 23 ሰንበት: ቊ.፳፫/23, 2025 | 2017 ግዕዝ

ክርስቶስ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም ዝተገልጸ ትፈልጡ ኢኹም፡ ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዚነብር ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት ኣይገብርዩ። ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ ግና፡ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፡ ኣይፈለጦንውን። . . . ካብ መጀመርታ ሒዙ ዚሓጥእ ዘሎ ድያብሎስሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር (ሰብ) ካብ ዲያብሎስዩ፡ ወዲ ኣምላኽ (ኢየሱስ) ከኣ፡ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ዝተገልጸ። ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ፡ ባህርይ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዘሎ፡ ሓጢኣት ኣይገብርንዩ፡ . . .  ሓጢኣት ኪገብር (ኣይኰነሉን) . . . ደቂ ኣምላኽን ደቂ ዲያብሎስን በዚዮም ዚፍለጡ፣” 1ዮሃ 35,6,8-10 .ት።

እንሆ ዕለት ሓምሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ለካቲት 8 “በዓለ ስምኦን”’ ዚበሃል። ካብ ለካቲ 6 ኽሳዕ ለካቲት 12 ዘሎ ዕለታት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማመሀሩነ እለ ቀደሙነዘርእስቱዩ። ስምኦን ናይ ትንቢት ውህበት-ጸጋ ዝነበሮ ዓብይ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝነበረእንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ።ሉቃ 225

ኵላቶም ነብያት ነቲ ብዛዕባኡ ዚነበዩሉ ዝነበሩመሲሕ፡ ክርስቶስ፡ ቅቡእዝዀነ ኢየሱስ ኪርእዮ እናበሃጉን ብዛዕባኡ እናመርመሩንዩም ዝሓለፉ። ነብዪ ስምኦን ግን ነቲ ቕቡእ ናይ እግዚኣብሄር ዝዀነ ኢየሱስ ብዓይኑ ኸይረኣዮ ኸም ዘይመውት፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብርጉጽነት ዘተስፈዎ ዕድለኛን ክቡርን ነብዪ ነበረ (ሉቃ 226) ከም ዝተዋህቦ ተስፋ ድማ፡ ህጻን ኢየሱስ፡ ኣብ ናይ 40 መዓልቲ ዕድሚኡ ነቲ ባዕሉ ዝሰርዖ ሕጊ ሙሴ ኺፍጽሞ ናብ ቤት መቕደስ ምስ መጸ፡ መንፈስ ቅዱስ መሪሑ ንስምኦን ናብ ህጻን ኢየሱስ ኣምጽኦ። እቲ መድሓኒ እየናይ ምዃኑውን ኣመልከቶ። ብኸም ኸኣ፡ ንፈጣሪኡን ንጐይታኡን ንመድሓኒኡን ኣብ ኢዱ ኺሓቍፍ በቕዐ። እቲ ዝተዋህቦ ተስፋ ከም ዝተፈጸመ ምስ ረኣየ ድማ፦ ጐይታይ፡ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ (ምኽንያቱ) ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ርእየናኦየን። እዚ (ህጻን) ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳለኻዮ ድሕነትዩ። ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ ዚገልጽዩ።ብምባል ንኣምላኹ ኣመስገነ (ሉቃ 228-32) ነብዪ ስምኦን ንቕዱስ ዮሴፍን ንቕድስቲ ማርያምን ምስ ባረኾም ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ሓያል ትንቢት ተነበየ።

እንሆ ህጻን ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ናይ ምውዳቖምን ምትንሳኦምን ምኽንያት፡ ከምኡውን ዘይቅበልዎ ምልክትን (ትእምርትን) ኪኸውን ዝተመደበዩ፡ ንኣኺ ድማ ናይ ብዙሓት (ሰባት) ሓሳባት ልቢ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ሓዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ኺስንጥቖዩ።ሉቃ  234 .

እዚ ትንቢት ሽዑ ብዛዕባ እስራኤል እንተ ተዘርበ፡ ኣብ ዘመንናውን እንተ ዀነ መዓልቲ መጸ ብግብሪ ዚፍጸም ዘሎዩ። ሕጂውን ኢየሱስ ነቶም ዘይኣመንዎን ዘይተኣዘዝዎን ናይ ምውዳቖም ምኽንያትን ትእምርትን፡ ነቶም ብምሉእ ልቦም ዝኣመንዎን ብግብሪ ዚእዘዝዎን ኵሎም ድማ ናይ ምትንሳኦም ምኽንያትን ምልክትን ይኸውን ኣሎ። እዚ ነብዪ ስምኦን ዚዝከረሉ በዓልን ቅንያትን ድማ፡ ንሕና ንርእስና ኻብቶም ብእኡ ዚወድቁን ዚስበሩን ወይ ከኣ ካብቶም ብእኡ ዚትንስኡን ዚድሕኑን፡ ካበየኖት ምዃንና ክንምርምርን ከነረጋግጽን ይብድሃና ኣሎ።

እዚ ናይ ዕለ መዝሙር ቅዱስ ያሬድውን፡ እቶም ዝቐደሙና ኣቦታት፡ ብዛዕባ ንድሕነትና ዚፍጸም ቀዳማይ ምጽኣት ክርስቶስ ከም ዝመሃሩና ዚእመንዩ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ወዲ ኸምትወልድ ብዛዕባ ልደቱ ንማርያም ከም ዝነገራ፡ ዕለተ ሕርሳ በጺሑ ኸም ዝወለደት፡ እቲ ብስምኦን ዝተሓቝፈ ብዮሃንስ እተጠምቀ ኢየሱስ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣቦ የማኑን ምኽሩን ምዃኑ ኬድሕነናውን ከም ዝመጸ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዝተዳለወ ምድሓን ብጐይታ ዝተኣዘዘን ዝተዳለወን ምዃኑ ዜረጋግጸልና መዝሙርዩ። ኣብ በዚ መዝሙር ዝተሰርዐ ናይ ሉቃ 225-40 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ነዚ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ናይ ነብዪ ስምኦንን ምርኻብ ብዝርዝር ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ናይ 1ዮሃ 31-9 ንባብውን፡ ጐይታና ብስጋ ዝተወልደሉን ዝተገልጸሉን ዕላማ እንታይ ምዃኑን ንኣና ብኸመይ ከም ዜድሕነናን ኣገዳስን ግብራውን ምስጢር ዚገልጸልናዩ። ናይ ጐይታና ልደትን ሞትን ትንሳኤን ኪዳናዊ ፍጻመምበር፡ ውልቃዊ (ብሕታዊ) ተግባር ኣይኰነንኪዳናዊማለት ድማ እቲ ዜድሕን ኣምላኽን እቲ ዚድሕን ሓጥእ ሰብን ብሓባር ዚዋስኡሉ ጕዳያት ከም ዘሎ ዜመልክትዩ። እቲ ንድሕነትና ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪግበር ዚግብኦ ዅሉ ብዘይ ዝዀነ ተረፍ ብፍጹምነት ተገይሩዩ። እቲ ኺዳን ምሉእ ብምሉእ ኪትግበርን ውጽኢትዊ ኪኸውንን ተሪፉ ዘሎ ግደ እቲ ድሕነት ዜገድሶን ዜድልዮን ሰብ ኪገብሮ ዚግባእ ግደዩ። እቲ ድሕነት ፍጹም ዚኸውን፡ እቶም ክልተ ሰብ ኪዳን፡ ገግዲኦም ብምልኣት ምስ ዚትግበሩ ጥራሕዩ። እግዚኣብሄር በታ ሓንሳእ ንሓዋሩ እትኸውን መስዋእቲ ክርስቶስ፡ እቲ ኺዳን ካብኡ ዚጠልቦ ዅሉ ፈጺሙ ወዲኡዩ። ሰብ ግና መለኮት ስለ ዘይኰነ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ኺገብር ኣይክእልንዩ። ኣብተን ኣምላኽ ብህይወት ኪነብረለን ዝሃቦ ዓመታት ዕድሚኡ፡ ኣብ ጸጽባሕ መዓልቲ መጸ ግዲኡ ዚፍጸም። ናይ ሎሚ ኣርእስትናምበኣር ነዚ ምስጢር ዚገልጸልና።

እዚ ኺዳን’ዝስ እምበርዶ ግብራዊ’ዩ፧ ንምንታይ ኢና ሓጢኣት ዘይንገብር፧ ኣብ ታሪኽ ናይ ኣምላኽ ኰነ ኣብ ታሪኽ ደቂ ኣዳም፡ ነዚ ኺዳን ዚመስልን ዚዳረግን ካልእ ኪዳን ይኹን ካልእ ግብሪ ፈጺሙ የልቦን። እግዚኣብሄር ዚኣክል ኣምላኽ ሰብ ዝዀነሉን ዝሞተሉን ኪዳን ምስ ምንታይ ካልእ ኪዳንን ግብርን ከነመሳስሎ ኢና፧ ከም ዝበለ ኻልእ ግብራውን ውጽኢታውን ኪዳን ኪህልው ኢልካውን፡ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ብዛዕባ ግብራውነት ናይ ኺዳን ናብ ሕቶን ጥርጥርን ዜእትወና፡ ዘይምፍላጥና፡ እቲ ነእምሮና ኣጸልሚትዎ ዘሎ መንፈሳዊ ድንቍርናዩ። እምነት ክርስትና ኪዳናዊ እምነት ምዃኑ፡ ብመሰረቱ ኪዳን እንታይ ማለት ምዃኑ ዘይንፈልጥ ስለንበዝሕ፡ እምነትና ወይ ሃይማኖትና ዜሰክመና ሓላፍነት እንታይ ምዃኑ ዘይንፈልጥውን እምብዛ ብዙሓት ኢና። እዚ ድማ ሓጢኣት ኣብ ዘይፈቅድ ሃይማኖት እናሃለና፡ ኣብ ሓጢኣት ተኣሊኽና ኽንነብር፡ሓጢኣት ኣይትግበርዚብል ትምህርትን መምህርን ኬጋጥመና ኸሎ ድማ ምቕባሉን ምጻሩን ኪኸብደና፡ ዘይንቡር ኰይኑ ኺስምዓና ዚገብረና ዘሎ።

መጽሓፍ ቅዱስን፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰረቱ መሰረተ እምነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እምነት ክርስትና፡ ኪዳናዊ ሃይማኖት ምዃኑ ዜረጋግጸልና።ሃይማኖትዚብል ቃል፡ ናይ ቋንቋኣራማይስጢ” (Aramaic) ቃልዩ። እዚ ቛንቛ ኣብ ጐይታ ዝነበረሉ ዘመን ብዓብላልነት ኣብ ሶርያ፡ ከምኡውን ኣብ ምድሪ እስራኤል ዚዝውተር ዝነበረ ቛንቋዩ። እቶም እምነት ክርስትና ናብ ሃገርና ዘተኣታተው ሶርያ ዝመበቈሎም መነኮሳት ዘውረሱና ቃል ኰይኑ ኣብ ግእዝን ካብኡ ኣብ ዝበቘሉ ዅሎም ቛንቋታትን ዝሰረጸዩ። ትርጕሙ ድማእምነትማለትዩ። እምበኣር ሃይማኖት ክርስትና ኪዳናዊ እምነትዩ። እቲ ኪዳን ድማሓድሽ ኪዳንይብሃል። እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ሓድሽ ኪዳን ከም ዚኣትው፡ ብቕዱሳን ነብያት ኣቐዲሙ ቅድሚ ኣማኢትን ኣሽሓትን ዓመታት ኣፍሊጡ (ኤር 3131-34 እብ 88 1016) እዚ ኺዳን ዚቘመሉን ዚፍጸመሉን ምዱብ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ፡ እቲ ነዚ ኺዳን ዜቕውምን ዚፍጽምን እግዚኣብሄር ወልድ ሰብ ኰይኑ ተወልደን ተገልጸን (1ጢሞ 316 1ጴጥ 120 ገላ 44 2ጢሞ 19,10) እቲ ኺዳን ናይ ግድን ብደም ስለ ዚቐውም ከኣ፡ ደም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኪፈስስ ናይ ግድን ኰነ (ሉቃ 1725 922 ማቴ 1722 1621 ማር 831) ኣብ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት ድማ፡ ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ ንኣቦ ድሕሪ ምምስጋኑ፡

እዛ ጽዋእዚኣ፡ እቲ (ንሕድገት ሓጢኣት) ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳንያ። (ካብ ዅልኹም ስተዩ)ብምባል ነቲ ኺዳን ከም ዘቘሞ ብወግዒ ኣፍለጠ (ሉቃ 2220 ማቴ 2627,28) ስለ ድማ ቅዱሳን ሃዋርያት ነቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም፡ደም ኪዳንኢሎም ሰመይዎ (እብ 1029 1320,21) ኪዳን፡ ኵሉ ጊዜ መኣዲ ኣለዎ፡ እቲ መኣዲ ድማ እቲ ንኺዳን ዝተሰውአ እንስሳዩ። ናይ ሓድሽ ኪዳን ገንሸል፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እቶም ምስኡ ኪዳን ዝኣተና ኽንምገቦ፡ ስጋኡን ደሙን ብምስጢረ ቍርባን ሕብስትን ወይንን ገይሩ ሃበና (ማቴ 2626-29 ዮሃ 651-58) ንዅሉ ኪዳን ቃል ኣለዎ። ናይ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቃል ድማ እግዚኣብሄር ንሓጢኣትና ሕድገት ኪገብር፡ ንሕና ድማ ሓጢኣት ምግባር ሓዲግና ብጽድቂ ኽንነብርዩ። እዚ ብመስዋእትን ደምን ናይ ክርስቶስ ዝቘመ ኺዳን ንኣና ንሰብ-ኪዳን እንታይ ከም ዚጠልበና፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፦ ካብ ሓጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ (ኢየሱስ ባዕሉ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብነቱ ጾሮ። ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።ብምባል ነቲ ናይ ኪዳን ቃል ብንጹር ኣስፊሩልና ኣሎ (1ጴጥ 224 .) ቅዱስ ጳውሎስውን እምበኣር (ነቲ ዝኣተኹምዎ ሓድሽ ኪዳንምበር) ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ፡ ኣብ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። (ንሓጢኣት) ሞይቶም (ንጽድቂ) ኸም ዝተንስኡ (ሰባት መጠን) ገዛእ ርእስኹ (ብጽድቂ) ንኣምላኽ ወፍዩምበር፡ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ። ኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ። (ምኽንያቱ) ትሕቲ ጸጋምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ሰለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምንዩ።ብምባል ምስ ሓጢኣት ክንባተኸሉ ዚግብኣና ምኽንያት ኣነጺሩልና ኣሎ (ሮሜ 611-14 .) ብዓብዪ ኸኣ መሪሕ ጥቕስና ናይ ኣቲናዮ ዘለና ናይ ሓድሽ ኪዳን ውዕል ናትና ግደን ሓላፍነትንሓጢኣት ዘይምግባርምዃኑ፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኣብሪሁን ኣድሚቑን ገሊጹልና ኣሎ። ንሕናን ኣምላኽን ብደም ክርስቶስ ዝኣተናዮ ሓድሽ ኪዳን ነቲ ግብሪ ድያብሎስ ዝዀነ ሓጢኣት ከነርሕቖን ከነፍርሶንዩ። ነዚ ኺዳን ስለ ዝኣተና፡ በዚ ኺዳን ክርስትያን ስለ ዝዀንና ኸኣ፡ውሉድ ኪዳን ኢኹምተባህለልና (ግብ 325) ክርስቶስ ድማማእከላይ ሓድሽ ኪዳንተባህለ (እብ 915) እዛ ክርስቶስ ዝመንጎኛኣ ኪዳን ድማዝበለጸ ተስፋ ዘለዋ፡ ዝበለጸ ኣገልግሎት እትህብ፡ ብልጽቲ ኪዳንተባህለት (እብ 86-13)

ሰብከ ሓጢኣት ከይገበረ ኺነብርዶ ይኽእልዩ፧ እግዚኣብሄር እቲ ፍትሓውን ርትዓውን ኣምላኽ፡ ሰብ ኪገብሮ ዘይክእል ነገር ኣይእዝዝንዩ። ቃል እግዚኣብሄር ከኣ፡ ሰብሓጢኣት የብለይን፡ ኣይገበርኩምኪብል ከም ዘይክእል፡ እንተ በለ ኸኣ፡ ከምኣ ብምባሉ ጥራሕ ንርእሱን ንኣምላኽን ሓሳዊ ኸም ዚገብር ብኣጽንዖት ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 18-10 እዮ 92 417,18 254-6 መዝ 1303 ምሳ 209 3012,20 መክ 720) ስለ ኣብ መንጎ ተጻራሪ ዚመስል ክልተ ሓሳባት፡ ሓደ ኺንጽር ዚግብኦ መንፈሳዊ ሓቂ ኣሎ ማለትዩ። ሰብ ብሰሪ ሒዝዎ ዚውለድ ኣዳማዊ ሓጢኣት (ሓጥእ ባህርይ) ናብ ሓጢኣት ኪወድቕ ዚኽእል ድኹም ፍጥረትዩ። ሓጢኣት ግን ክልተ ዓይነትዩ። እቲ ቐዳማይ፡ ከይፈለጥካ ወይ ከይፈተኻ ተዓንቂፍካ እትወድቆ ሓጢኣት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ እናፈለጥካን ፈቲኻን ኰነ ኢልካ ብሕርያ ብውሳነ እትገብሮ ሓጢኣትዩ። እዚ ሓቂ ዋላ ኣብቲ ንሕድገት ሓጢኣት ዚምልከት ናይ ብሉይ ኪዳን ሕጊውን ብንጹር ተገሊጹን ተሰሪሑሉንዩ። ናይ ብሉይ ኪዳን መስዋእቲ እንስሳ፡ ነቲ ከይፈለጥካ ብስሕተት ዚግበር ሓጢኣት ጥራሕ ዚምልከት (ዘሌ 42,22,27 52,3,15,17 ዘሁ 1522,23,24,27,28) ነቲ ብድፍረት ኰነ ኢሉ (ብልዕልቲ ኢድ) ሓጢኣት ዚገብር ግና፡ ካብ ማእከል ህዝቡ ብሞት ኪምንቈስ ዚእዝዝ (ዘሁ 1530,31) ናይ ኽልቲኡ ዓይነት ሓጢኣት ኣብነት ዚዀኑና፡ ይሁዳ ኣስቆሮታውን ሃዋርያ ጴጥሮስንዮም። ይሁዳ፡ ኣጸቢቑ ሕሲቡሉ፡ ምስ ልቡ መኺሩ፡ ኰነ ኢሉ ብውሳነ ዝነበሮ ኽሕደት ስለ ዝነበረ፡ ዋላ ናይ ጣዕሳ ምልክትን ስጕምትን ወሲዱ እንተ ነበረ፡ ናብ ዝገደደ ኻልእ ሓጢኣት ደኣ ወደቐምበር፡ ንንስሓ ዜብቅዖ ዕድል ኣይረኸበን። ቅዱስ ጴጥሮስ ግና ምእንቲ ጐይታኡ ህይወቱ ኼሕልፍ ዚድርኾ ፍቕሪምበር፡ ናይ ክሕደት ሓሳብ ፈጺሙ ኣይነበሮን። ጐይታ ብርጉጽነት እናነገሮኳ፡ ከም ዘይክሕድ ዝዀነ ጥርጥር ኣይነበሮን። እታ ናይ ፈተና ሰዓት ምስ በጽሐት ግን ልቡ ብፍርሃት ተናዊጹ፡ ኣዝዩ ብዜሕፍር መገዲ ኸሓደ። እቲ ዝተዋህቦ ናይ ደርሆ ነቆ ምልክትን ናይ ጐይታ ቈላሕታን ምስ ረኣየ ግና፡ ናይ ፍታው ሓጢኣት ዘይምግባሩ ዜረጋግጽ ብመሪር ብኽያት ዝተሰነየ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ኣተወ። እዚ ሓጢኣት ይትረፍ ኬፍርዶ፡ ካብ ናይ ርእሳ ሃዋርያት ማዕርጉ ኣየውረዶን። ልዕሊ ድኹም ዓቕምና ዝዀነ ፈተና ዓንቂፉና እንወድቀሉ ሓጢኣት፡ ሓጢኣት ምዃኑ ዘይተርፍ እንተ ዀነ፡ እቲ ድኻምና ዚፈልጥን ልቢ ዚምርምርን ኣምላኽ ይርድኣልናዩ። ስለ ኸኣ ብንስሓ ኼንጽሃና ድሉውዩ። ነቲ እናፈለጥካ ፈቲኻ ዚግበር ሓጢኣት ከይንውዕሎ ግን ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ይግብኣና። ምኽንያቱ ንስሓ ዜኽልእ፡ ደገ ምሕረት ዜዕጽው እኩይ ግብሪ ምዃኑ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩልና ኣሎ (እብ 1026-31 64-8) ቅዱስ ዮሃንስውን፡ናብ ሞት ዜብጽሕ (ንስሓ ዘይብሉን) ናብ ሞት ዘየብጽሕ (ንስሓ ዚርከቦን) ሓጢኣትብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (1ዮሃ 516,17) ነዚ እናፈለጥካ ፈቲኻ ኰነ ኢልካ ዚግበር ሓጢኣት ዘይምግባር ዓቕምናዩ። ከነመኽንየሉንኽእል ኣይኰነን። ነዚ እንስዕረሉ ዜኽእል ጸጋውን ስለ ዚህበና ናብ ሓጢኣት እንወድቀሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን።

እቲ ዝኣተናዮ ኪዳን ሓጢኣት ከይንገብር ካብ ኣዘዘ፡ ብኸመይ ኢና ኽንትግብሮ ‘ንኽእል፧ መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሕቶ ኺምልስ ዝተጻሕፈ። ቅዱስ ዮሃንስ ነዚ ሓጢኣት ናይ ዘይምግባር ምስጢር፡ በዚ ዚስዕብ ክልተ ነጥብታት መሊስዎ ኣሎ።

1. ካብ ኣምላኽ ዝተወለድካ ምዃን፡

2. ኣብ ክርስቶስትነብር ምዃን፡

ካብ ባዶ ተበጊስካ፡ ብሃንደበት ሓጢኣት ዘይገብር ሰብ ምዃን ኣይከኣልንዩ። ሓጢኣት ዘይገብር ሰብ ንኽትከውን ናይ ግድን ክንኰኖ ወይ ከነማልኦ ዚግብኣና ረቛሒታት ኣሎ። ንእኡ ኸየማላእና ነቲ ናይ ዘይምሕጣእ ትእዛዝ ከነተግብሮ እንተ ፈተንና፡ ኣይሰልጠናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብ ግጉይ መደምደምታ ገጹ ዜጽድፈናዩ።ብዘይ ሓጢኣት ኪንበር ኣይከኣልንዚብል ሰይጣናዊ መደምደምታ፡ እዚ ከንቱ ሃቐናን ፈተነን ዚወልዶዩ። እዚ ዝምቡዕ መደምደምታ ምስ ናይ ኣምላኽ ሓቂ፡ ገጽ ንገጽ ኽንራጸም ሰይጣን ዜዕጥቐና እኩይ ኣጽዋርዩ።

1. ካብ ኣምላኽ ዝተወለድካ ምዃን፦ መሪሕ ጥቕስና ኪድምድም ከሎ ብዛዕባ ኽልተ ዓይነት ውልድነት ጠቒሱልና ኣሎ።ደቂ ኣምላኽን ደቂ ዲያብሎስን በዚዮም ዚፍለጡዚብል ቃል፡ ናይ መንነት መለለዪ ምልክት ከም ዘሎ ዜረጋግጸልናዩ። እቲበዚተባሂሉ ዘሎ ምልክት ድማሓጢኣት”’ዩ። ኣብ ክርስቶስ ሓጢኣት ፈጺሙ ኸም ዘየሎ፡ ድያብሎስ ግና ካብ መጀመርታ ሒዙ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ቁም ነገርን ግብርን ከም ዘይብሉ ገሊጹልና ኣሎ። ኵሉ ሰብ ድማ ነናይ ኣቦኡ ዚገብር። እቲ ኻብ ድያብሎስ ዝተወልደ፡ ልክዕ ከም ኣቦኡ፡ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ግብሪ ኺህልዎ ኣይክእልንዩ። እዚ ገባር ሓጢኣትዚ፡ ንክርስቶስ ኣይፈልጦንዩ፡ ኣይረኣዮንውንዩ። ስለብዘይ ሓጢኣት ክነብር ኣይክእልንኢልካ ምሕሳብን ምዝራብን፡ኣነ ኣቦኡ ዘፍለጠ ወዲ ድያብሎስ ስጋ ዝለበሰ ጋኔንምባል ማለትዩ።

ካልእ ኣማራጺ ግን ኣሎና። ንሱ ኸኣ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንዩ። ናይ ደቂ ኣምላኽ ቋንቋ ድማ፡ሓጢኣት ክገብር ኣይኰነለይንዩ፡ ምስ ሓጢኣት ክነብር ኣይደልንዚብልዩ። ክርስቶስ ነቲ ግብሪ ድያብሎስ ዝዀነ ሓጢኣት ኬፍርስን ኬርሕቕን ዝተገልጸ። እዚ ናይ ክርስቶስ ግብሪ፡ ካብ ዘይምሕጣእ ሕልፍ ዝበለ፡ ልዕል ዝበለ ምዃኑ ነስተውዕሎ። እቲ ኸም ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስትያን ድማ ነዛ ንውልቁ ኻብ ዘይምሕጣእ ሓሊፉ ነቲ ሓጢኣት ዜፍርይ ግብሪ ድያብሎስ ንምፍራስ ኪዕጠቕን ኪዋጋእን ናይ ውልድነት መለለዪኡዩ።

ስለ እቲ ኺሓጥእ፡ ውሉድ ድያብሎስ ኪኸውን ዘይደልይ ሰብ፡ መጀመርታ ኺገብራ ዚግብኦ ውሉድ ኣምላኽ ምዃኑን፡ ኣብ ውልድነቱ ጸኒዑ ይነብር ምህላውን ምርግጋጽዩ። እቲ ውሉድ ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ፡ ልክዕ ከም ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝገበሮ ዚገብር። ካብ ኣምላኽ ካልኣይ ወይ ዳግማይ ልደት ዘይተወልደ ሰብ፡ ወዲ ዲያብሎስ ስለ ዝዀነ ናብ መንግስተ ሰማያት ፈጺሙ ኸም ዘይኣትው ጐይታና ብኣጽንዖት ኣረጋጊጹልና (ዮሃ 33-7) ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ በቲ ጐይታ ዝሰርዓላ ምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ነዚ ኻልኣይ ልደት ስለ ዝጸገወትና፡ ነቲ ውልድነት ረኺብናዮ ኢና። እንተ ዀነ፡ እቲ ኣዝዩ ዜገድስ ውልድነት ምርካብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንውልድነትካ ክትዕቅቦን ክትነብረሉን ምኽኣልዩ።ሎሚ ውሉድ ኣምላኽ ዲኹምኢልና እንተ ተሓቲትና፡ ናይ ጥምቀትና ምስክር ወረቐት (ሰርቲፊኬት) ወይውን ናይ ጥምቀትና ደረቕ ስእልን ቪድዮን ኣይኰንናን ንውከስ። ነታ ንነብራ ዘለና ዓይነት ህይወት ኢና ንውከስን ንምርምርን።  ብሓጢኣት ዝጋዕዘየን ዝተደወነን ህይወት እንተልዩና ብርግጽ ካብ ደቂ ኣምላኽ ናብ ደቂ ድያብሎስ ተለዊጥና፡ ናይ መበቈልን ናይ መንነትን ለውጢ ጌርና ኣለና ማለትዩ። ንእግዚኣብሄር ድቓላ ውሉድ የብሉን። ደቂ ኣምላኽ ብፍታዎም ሓጢኣት ኣይገብሩንዮም። ብሰሪ ድኻም ስጋ ተዓንቂፎም ብዘይ ፍቓዶም እንተ ሓጥኡ ድማ ከይወዓሉ ከይሓደሩ ብንስሓን ብደም ክርስቶስን (ብምስጢረ ቍርባን) ተሓጺቦም ናብ ናይ ውሉድነት ንጽህናኦም ዚምለሱ፡ ክዳውንቶም ዜጻዕድው (ጽድቆም ዚሕድሱ)’ዮም።

ንደቂ ኣምላኽ ሓጢኣት ኪገብሩ ዘይኰነሎም፡ ካብ ባዶ ተላዒሎም ኣይኰኑን። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ብውልድነቶም ባህርይ ኣምላኽ ወሪሶምዮም። ነቲ ናይ ስጋ ወላዲና ኣዳም ዘውረስና ሓጥእ ባህርይምበር፡ ነቲ ናይ መንፈስ ወላዲና ዝዀነ ኣምላኽ ዘውረስና ባህርይ እንተ ዘይሒዝና፡ ከም ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝዀኖ፡ ካብ ሓጥእ ሰብ ምዃን ሓሊፍና ብቐንዱ ሓጢኣት ናብ ምዃን፡ ድያብሎስ ናብ ምዃን ክንዓብይ ንኽእል ኢና (ዮሃ 670) እግዚኣብሄር ከኣ ብዳግማይ ልደት ባህርዩ ስለ ዜውርሰናዩ፡ ከይንሓጥእ ብኣጽንዖት ዚእዝዘና። ብምስጢራት ቤተ ክርስትያን ውልድነት ተቐቢልና፡ ባህርይ ኣምላኽ ወሪስና ኸነብቅዕ፡ ኣብ ግብራዊ ናብራና ባህርይ ሰይጣን ለቢስና ሓጢኣት እናዘውተርና ንነብር እንተሊና ግን፡ ከም ነብዪ ኤርምያስ ዝበሎ፡ ናብ ድቓላ (ሓንፈጽ) ተለዊጥና፡ ርእስና ኣበላሺና ኣለና ማለት (ኤር 221,22 ኢሳ 51-7)

2. ኣብ ክርስቶስትነብር ምዃን፦ መሪሕ ጥቕስና ብቐዳምነት ኣስፊርዋ ዘሎ ነዛ ነጥቢዚኣዩ። ከይተወለድካ ኺንበር ስለ ዘይከኣል ግን፡ ኣቐዲምና ነቲ ኻብ ኣምላኽ ምውላድ ክንርእይ ኣድለየና። ናይቶም ካብ ኣምላኽ ዝተወልዱ ሓቀኛታት ክርስትያን መንበሪ፡ ክርስቶስዩ። ብኣካለ ስጋ እንነብረሉ ቦታ፡ ነጋሪ ዘይንደልየሉ ፍሉጥ ነገርዩ። ንሕና ግንብመንፈስ ንበሩ፡ ብመንፈስ ተመላለሱተባሂልና ዝተኣዘዝና ስለ ዝዀንና፡ እቲ ብመንፈስ እንነብረሉምበር፡ እቲ ብኣካለ ስጋንነብረሉ ኣይኰነን ዜገድስ (ገላ 516,18,25 . + .) ብመንፈስ ዚነብሩ ድማ እቶም መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮምዮም (ሮሜ 88,9,12-15) ነብዪ ሙሴእቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻ . . . “ ከም ዝበለ፡ እቲ ብመንፈስ ዚነብር ሓቀኛ ክርስትያን፡ ህይወቱ ኣብ ኣምላኽ ጥራሕ ትነብር (ዘዳ 3327 ኤፌ 25-7 ቈሎ 31-4 .) ካብ ኣምላኽ ተወሊድናስ፡ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ከም ዘለና ዘየማትእ ርጉጽ መርትዖ ዀይኑ ዜገልግለና ድማ ትእዛዛቱ እንሕልውን፡ ከም ክርስቶስ ዚነብራ ዓይነት ህይወት ምስ እንነብርዩ።

ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ፡ ኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ።

ከምቲ ንሱ ዝሀበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድናውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ። እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 323,24

ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። “ 1ዮሃ 413

ጐይታናውን ብኸመይ ንሱ ኣባና ንሕና ኸኣ ኣብኡ ከምንነብር ደጋጊሙ ገሊጹልና (ዮሃ 656 1420-23 1721-23 .) ብፍላይ ኣብ ንሱ ሓቀኛ ጕንዲ ወይኒ ምዃኑ ዝገለጸሉ ጊዜ፦ ኣባይ ንበሩ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብርየ። ጨንፈር ኣብ ጕንዲ እንተ ዘይነበረ ኻብ ርእሱ ኺፈርይ ከም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም፡ ከምኡ (ጽድቂ ዘይተፍርዩ) ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም። እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ ብዙሕ ፍረ (ጽድቂ) ዚፈርይ። ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ኸም ጨንፈር ናብ ወጻኢ ተደርብዩ  ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ፡ ኣባይ እንተ ነበርኩም ቃለይውን ኣባኻትኩም ኣንተ ሓደረ፡ትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ ይዀነልኩም።ኢሉና ኣሎ (ዮሃ 154-7 .) ስለ ሓጢኣት ምፍራይ ዜብቅዕ ንኣምላኽ ዜኽብር ፍረ ጽድቂ ምፍራይ ዚበዝሕን፡ ነቲ ብምስጢር ጥምቀትን ሜሮንን ዝረኸብናዮ ውልድነት፡ ኣብ ናይ ባህርይ ወዱ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምንባርዩ። ትነብረሉ እንተ ቐዪርካን እንተ ኣበላሺኻን ግን፡ ነቲ ብልሽውን ናብ ሓዊ ዜደርብየካን ሓጢኣት ካብ ምፍራይ ክትዓርፍ ፈጺምካ ዘይከኣልዩ።

እምበኣር ገዛእ ህይወትና ብዘይ ንሕስያ ብዕቱብ ንመርምርሞ፡ ኣበይ ንነብር እንታይከ ንፈርይ ከም ዘለና ነረጋግጽ። ረብሓ ሓጢኣት ዘለኣለማዊ ጥፍኣትን ስቓይን ጥራሕ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ሓጢኣት ዘየግብር ምስጢር ፈሊጥናን ተጠቒምናን ንህይወትና ንበጀዋን ነድሕናን። ነዞም ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርና ደቂ ኣዳም፡ ውሉድ ኣምላኽ ካብ ምዃንን፡ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምንባርን ዚበልጽ ካልእ ክብርን ረብሓን የብልናንሞ፡ ነዚ ዜድሕንን ዜጽድቕን ምስጢር ብግቡእ ንጠቐመሉ!! 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

16 የካቲት 2025 | የካቲት  8, 2016 ግዕዝ (መበል 23 ሰንበት: ቊ.፳፫/23)

ምስባክ

መዝ. ፻፪(፻፪)፡፭,፮

“ዘያጸግባ እምበረከቱ ለፍትውትከ። ዘይሔድሳ ከመ ንስር ለውርዙትከ። ገባሬ ሣህል እግዚአብሔር።”

“ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ’ዩ፡ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር’ዩ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ጢሞ 5፡1-11

ዲያቆን

1ዮሃ 3፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 3፡17-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 2፡25-40

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ መሀሩነ እለ ቀደሙነ

   

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div