S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓራት ዜንጽፍ ኣምላኽ (መበል 27 ሰንበት: ቊ.፳፯/27, 2025 | 2017 ግዕዝ

ንድኻ ዚሓልየሉ ሰብ ብጹእዩ። እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሄር ይሕልዎ፡ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን፡ ናብ ፍቓድ ጸላእቱ (ኣሕሊፉ ኣይህቦን) ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ይድግፎ፡ ንስኻ (ኣብ ጊዜ) ሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።ጐይታየ፡ በዲለካሞ፡ ምሓረኒ፡ ንነፍሰይ ኣሕውያበልኩ።መዝ 411-4

እንሆ ዕለት ናይ ዘለናዮ ዘመነ ጾም ራብዓይ ሰንበትዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማመፃጕዕ (መጻጕዕ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብቛንቋ ትግርኛውን እንጥቀመሉ ቓልዩ። ትርጕሙ ድማ ናይ ምንቅስቓ ክእለቱ ዘጥፍአ፡ ኣካላቱ ዝለመሰ፡ ዝመልበሰ፡ ዝተደነሰ ሰብ ማለትዩ። እዚ ምጽጓዐዚ፡ ነርባዕቲኡ (ላዕላይን ታሕታይን) መሓውር (Quadriplegia) ንኽልቲኡ ታሕታይ መሓውር (Paraplegia) ወይ ከኣ ንፍርቂ ሰብነት ዜጥቅዕ ኰይኑ ካብ ርእሲ ኽሳዕ ጽፍሪ እግሪ ዜልምስ (Hemiplegia) ኪኸውን ይኽእልዩ። ሓንቲ ንጽል መሓውር ንበይና እትለምሰሉ እዋንውን ኣሎ። ሓደ ኻብቶም ንደቂ ኣዳም ኴጓንፉ ዚኽእሉ ከበድቲ ሕማማትዩ። እዚ ብዛዕባ ሕማምን ፈውስን ከነስተንትነሉ ዝተሰርዐ ሰንበትን ሰሙንን በዚ ስም ኺጽዋዕ ዝተመርጸሉ ምኽንያትውን ንኽብደት ናይ ሕማም ኣብ ግምት ዘእተወዩ። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ፡ ክልተ ናይ መጻጕዕ ቅንያት ዘሎና። እቲ ቐዳማይ ናይ መጻጕዕ ሰንበትን ሰሙንን ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያት (ብግእዝ ካብ ሕዳር 27 ክሳዕ ታሕሳስ 3) ዘሎ ኪኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ድማ እዚ ዘለናዮ ራብዓይ ሰንበትን ሰሙንን ናይ ዓብይ ጾምዩ። እዚ ቕንያት ብዛዕባ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈዋስነት እንመሃረሉን እነስተንትነሉን፡ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ብዝተፈላለየ መገዲ ዚህበና ፈውሱ እነመስግነሉ፡ ብዛዕባቶም ብተደጋጋሚ ዜጋጥሙና ናይ ጥዕና ጸገማት ኣብ ፈዋስነት ናይ ኣምላኽ ዘሎና እምነት እነዕብየሉ፡ ኣብ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ሕማም ስጋን ኣጋንንትን ሞትን ዘለዎ መለኮታዊ ስልጣን ዘሎና ትውክልቲ እነዕዝዘሉ ዝተባረኸ ቕንያትዩ። እዚ ሰንበትመጻጕዕስለ ዝተሰምየ፡ ምጽጓዐ ጥራሕ ኢናንሓስብ ማለት ኣይኰነን። ብዓብዪ ብዛዕባ ብጐይታና ዝተፈጸመ ኵሉ ናይ ሕውየት ተኣምራት፡ ከምኡውን ብዛዕባ ዅሎም ብስሙ ዝተላእኩ ቅዱሳን ሃዋርያትን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ብናቱ ፍቓድን ስልጣንን ዝፈጸምዎ ናይ ፈውሲ ተኣምራትውን ዜጠቓልልዩ። ምኽንያቱ ጐይታ ንበይኑ ገባሪኡ። እቲ ሎሚ ብምስጢረ-ቀንዴል ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዚፍጸም ናይ ፈውሲ ተኣምራትውን ኣብኡ ዚጠቓለልዩ። ፈዋስነት፡ ናይ በይኑ ናይ እግዚኣብሄር ባህርይ ጥራሕዩ። መልኣኽ ይኹን ሰብ፡ ብዘይ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ፡ ከምኡውን ብዘይ ናይ ኣምላኽ ሓይልን ብስልጣንን ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኪገብር ኣይክእልንዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚመጻጕዕዝተሰምየ ሰንበትን ሰሙንን፡ ኣብ ዘመነ ጾም ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብዛዕባ ሓቂ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ርድኢት ምእንቲ ኺህልወናምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ዘይንፈልጦ መጻጕዕ ዝተፈጸመ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኣንቢብናን ሰሚዕናን ንኽንሓልፍ ጥራሕ ኣይኰነን።

ነዚ ናይ መጻጕዕ ሰንበት ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር ሰንበት ከኣኣምላኩሰ ለአዳም (ንኣዳም ኣምላኹ)” ዘርእስቱዩ።ንኣዳም ኣምላኹዚበሃል ዘሎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። ንሱ ሰንበት ንዕረፍቲ ከም ዝሰርዐ፡ ኣይሁድበየናይ ስልጣን ነዚ ትገብር ኣለኻ፧ከም ዝበልዎ፡ ንሱ ድማ፡ኣነ እገብር፡ ንስኻትኩም ድማ ንግብረይ እመንዎ፡ ኣነ ጐይታ ሰንበትከም ዝበሎም፡ ወልድ ዋሕድ ጐይታ ሰንበት ምዃኑ፡ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሓድግ ስልጣን ኣሎኒ፡ ሓርነት እሰብኽ፡ ኣዒንቲ ዕውራት እኸፍት፡ ኣቦይ ልኢኹኒከም ዝበሎም፡ ብምራቑ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቲ ዓይነ ስውር ከም ዘሕወየ፡ ጸሓይ ጽድቂ ስለ ዝበረቐ ብብዝሒ ሰላም ጻድቃን ኪሕጐሱ ዚዕድም መዝሙርዩ። እዚ መዝሙር በዞም ዚስዕቡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተሃንጸዩ፡ (ማቴ 2123 ዮሃ 218 517,19 1037,38 1411 ማር 228 ማቴ 96 115 ሚል 42 መዝ 3711 ኢሳ 61 1 ሉቃ 416-21) እቲ ብመሰት መዝሙር ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ብዛዕባ ሕማምን ፈዋስነት ጐይታን ዚዛረብዩ። ክልቲኡ ናይ መዝሙር ዳዊት ናይ ምስባክ ኣማራጺታትውን ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ (መዝ 62,3 413,4) ናይ ዕለት ናይ ቅዱስ ወንጌልን ናይ ግብሪ ሃዋርያትን ንባባት ብዛዕባ ፍወሳ ናይ ክልተ መጻጕዓት ዚትርኹዮም። እቲ ቐዳማይ ብጐይታና ዝተፈጸመ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብቕዱሳን ሃዋርያት (ጴጥሮስን ዮሃንስ) ዝተፈጸመዩ። ክልቲኦም ድማ ንነዊሕ ዓመታት ዝሓመሙ፡ እቲ ቐዳማይ ንልዕሊ 38 ዓመታት፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝመጽጕዑ ነበሩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ጐይታና ኵሉ-ኸኣልነትን ሓይሊ ፈዋስነትን ዜመልክተናዩ። ናይ ዕለት ኣርእስቲ ትምህርትናን መሪሕ ጥቕስናን ጌርናዮ ዘለና፡ እቲ ናይ መዝ 413,4 ምስባክዩ። እዚ ምስባክ እግዚኣብሄር ነቶም ብስነ ምግባሮም ዘስመርዎ ብጹኣን ሰባት፡ ኣብ ጊዜ ሕማሞም ዚገብረሎም ግብሪ ሕያውነት እንታይ ከም ዚመስል ዚገልጽዩ። እዚ ጥቕሲ ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሄር ልኡላዊ ፍቓድን፡ ሕያውነቱ ዚገልጸሉ ዝተፈላለየ መገድታትን እንታይ ከም ዚመስል ዜርእየናን ዜስተምህረናንዩ።

ቅዱስ ዳዊት በዚ መዝሙር’ዚ እንታይ’ዩ ዚብለና ዘሎ፧ እግዚኣብሄር ንዝዀነ ዓይነት ሕማም ብቐሊሉ ኺፍውስ ዚኽእል ክነሱ፡ ንምንታይ’ዩ ምድጋፍን ምክንኻንን መሪጹ፧ ብተሓሳስባ ሰብምበር፡ ብናይ ኣምላኽ ኣተሓሳስባ እንተ ዘይርኢናዮ፡ ብዘይ ቃልዓለም እዚ ጥቕሲ ኣብ ልብኻ ሕቶ ኺፈጥር ዚኽእልዩ። ምኽንያቱ፡ ንሓደ ሕሙም፡ ኣብ ዓራቱ ምድጋፍን ምክንኻንን፡ ናይ ሓደ ኼሕውይ ዘይክእል ድኹም ሰብ ተግባርምበር፡ ናይ ኣምላኽ ተግባር ኰይኑ ኣይረኣየካንዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዀነ፡ እቶም ብስሙ ንሕሙማት ኪፍውሱ ስልጣን ዝሃቦም ደቀ መዛሙርቱ ብሓንቲ ቓል ወይ ብሓንቲ ምትንካፍ ከቢድ ሕማም ከም ዚፍውሱን ምዉታት ከም ዜተንስኡን ስለ ዘንበብናን ስለ ዝተመሃርናን፡ ነቶም ብእምነቶምን ብግብሮምን ዜሐጕስዎ ብጹኣት ድማ ከምኡ ኺገብረሎም ከም ዚግባእ ኢናንሓስብንንኣምንን። እዚ ትጽቢትና ክዉንነታዊ (Realistic)’ምበር፡ ዝተጋነነ ወይ ልዕሊ ዚግባእ ዝተመጥጠ ትጽቢት ኣይኰነን። እዚ ሕቶ ንኣምላኽ ከም ምድፋር ወይውን ብዛዕባ ኸኣልነቱን ሰናይነቱን ከም ምጥርጣር ኪቝጸርውን ኣይግባእንዩ። ምስ እግዚኣብሄር ናይ ውሉድን ወላድን ዝምድና ስለ ዘሎና። እግዚኣብሄር ብኸም ዝበለ ኣተሓሳስባን ሕቶን ይሕጐስምበር፡ ኣይጕህይንዩ። ብኣንጻሩ ደኣ፡ብዛዕባ ግብሪ ኢዴይ ሕተቱኒ፡ ምጹ ንሓድሕድና ንማጐትኢሉ ዚዕድም ኣምላኽ (ኢሳ 4326 4511 118)

ናይ እግዚኣብሄር ኣሰራርሓን ግብርን ብቐሊሉ ኺርድኣና ዚኽእል ግና ንባህርዪ ኸም ዚግባእ ምስንርድኦዩ። እግዚኣብሄር ሰናይ ኣምላኽ፡ ሕያዋይን ለዋህን ፈቃርን ምሕረተኛን ኣምላኽ ምዃኑ፡ ንዅሉ ድማ ብዕላማን ብብቑዕ ምኽንያትን ከም ዚገብሮ ምሉእ ርድኢት እንተልዩናን ብምልኣት እንተ ኣሚንናሉን፡ ዝዀነ ይኹን ቃሉን ተግባሩን ዋላ እንተ ዘይተረድኣና ኣይንጠራጠረሉን፡ ኣይንዕንቀፈሉን ድማ ኢና። ንሕናንብጹእ ሰብሲ ቅጽበታዊ ፍወሳ ዚግብኦኢልና እንተ ኣሚንና፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሰናይን ፍትሓውን ኣምላኽ፡ ካብ ናትና ኪግመትን ኪግለጽን ብዘይክእል መጠን ኣዝዩ ዝበለጸ ዚሓስብ። ስለ ዝዀነ ኻልእ ትንተና ኸየድለዮ፡ ነቲ ብጹእ ሰብ ካብ ንሕና ዝተመነናሉ ቕጽበታዊ ሕውየት ንላዕሊ እቲ እግዚኣብሄር ዝሓሰበሉ ዝተናውሐ ኽንክን ኣዝዩ ዜሕሾን ዚምጥኖን። ናትና ጸገም፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዚገብረሉ ደገፍን ክንክንን በዒንትና ዘይንርእዮ ምዃንናዩ። ከኣል ኵሉ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንሕያውነቱ ኻብ ብፍወሳ ንላዕሊ ብኽንክን ጽቡቕ ገይሩ ኺፍጽሞን ኬግህዶን ዚኽእልዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ናይ እግዚኣብሄር ባህርይን ኣሰራርሓን ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝተረድኦ፡ ኣብ መዝሙር ምስጋናኡ ግሩም ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።

እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይዩ፡ ርሕራሔኡ ኣብ ኵሉ ግብርታቱዩ። . . . እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕዩ፡ ብዅሉ ግብሩውን ሕያዋይዩ።መዝ 1459,17

ስለ ሕያውነቱ ኣብ ገሊኡ ግብርታቱ እምብዛ ጐሊሑ ኣብ ገሊኡ ግን ዳርጋ ዘየለ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ እዚ ጸገም ናትና ናይ ኣረኣእያን ኣረዳድኣን ጸገምምበር ናይ እግዚኣብሄር ጸገም ኣይኰነን። ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና መሰረታዊ መንፈሳዊ ሓቂ እንተልዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ባህርያቱ ዀነ ኣብ መንጎ ግብርታቱ ፈጺሙ ዘየበላልጽ ምዃኑዩ። ብናትና ኣተሓሳስባ ፍቕርን ፍርድን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐን ንሓድሕዱ ዚጻረርን ባህርይ ዚመስለና። ስለ ድማ ካብ ናይ ፍርዲ ንላዕሊ፡ ናይ ፍቕሪ ባህርይ ከም ዚበልጽ ኢና ንሓስብ ኣብ እግዚኣብሄር ግን ከምኡ ዚበሃል የለን። ሚዛናዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ንዅሉ ባህርያቱ ብማዕረ ይርእዮን የኽብሮን። ኣባና ኣብ ሰባት፡ ካብ ምክንኻን ምፍዋስ ከም ዚበልጽ ዚሕሰብ። ብእግዚኣብሄር ምስ ዚግበር ግን፡ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ግብርታት ዝዀነ ዓይነት ምብልላጽ የብሉን። ስለ ብዛዕባ ተጋሂዱ ዝረኣናዮ ባህርይን ግብርን ናይ እግዚኣብሄር ተሃዊኽና ኸይንዛረብ ክንፈርህን ክንጥንቀቕን ይግብኣና። ምኽንያቱ እቲንፈልጦ ኣዝዩ ውሑድ (ኢምንት)’ዩ። ንሱ ዘየበላለጸስ፡ ንሕና ብዛዕባ ዘይንፈልጦ ባህርዩን ግብሩን ከነበላልጽ እንተ ጀሚርና፡ ናይ ድፍረት ሓጢኣት ዚዀነና። ስለ ንፍለጦ ኣይንፍለጦ፡ ይረድኣና ኣይረድኣና፡ ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሄር ባህርይን ግብርን ብኣሉታ ኸይንሓስብን ከይንዛረብን ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብር ይግብኣና።

እግዚኣብሄር ይትረፍ ብምክንኻን ብሞትውን ሕያውነቱ ኣጕሊሑ ኼርእይ ዚኽእል ኣምላኽዩ። እዚ ብሰሪ ሓጢኣት ሚዛኑ ዝተበላሸወ ኣእምሮና ግን፡ከመይ ኢሉ ደኣ ሞትከ ናይ ሕያውነት መርኣያ ዝዀነ፡ዚብል ሕቶ ኼላዕለልና ይኽእልዩ። እግዚኣብሄር ንጻድቃን ከመይ ገይሩ ብሞት ሕያውነት ከም ዚገብረሎም ብነብዪ ኢሳይያስ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።

ጻድቃን ይሞቱ (ብሞቶም እንታይ ከም ዝረብሑ) ዚሓስቦም የልቦን። እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ኸኣ ብሃንደበት ይሞቱ (ይምንጠሉ)’ሞ፡ እግዚኣብሄር ክፉእ ከይርእዩ ኢሉ ኸም ዝወሰዶም (ካብ እከይ ከም እተኣርነቡ) ዜስተውዕሎ የልቦን። እቶም ብቕንዕና ዚነብሩ ምስ ሞቱ ሰላምን ዕረፍትን ይረኽቡ።ኢሳ 571,2 .

ንሕና ለቢስናዮ ዘሎና ናይ ስጋ ድንኳን ኪቕንጠጠና ኣይንፈትውን ኢና (2ቈረ 54) እቲ ዅሉ ጊዜ ነቲ ዝበለጸ ጥራይ ዚሓስበልና ኣምላኽ ግን፡ በቲ እንፈርሆንንጸልኦን ሞት ገይሩ፡ ናብ ዝበለጸ ሰላምን ዕረፍትን ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም የሰጋግረና።

እዚ “ዓራቱ የንጽፈሉ” ዚብል ኣገላልጻ እንታይ ማለት’ዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስከ ብግብሪ ብኸምኡ ዘገልገሎም ኣብነታት ኣለውና’ዶ፧ እዚ ናይ ቅዱስ ዳዊት ኣገላልጻ፡ ተምሳላዊዩ። ሓደ ሰብ ምስ ሓመመ ምስ ተደነሰ፡ ኵሉ ናብራኡ ኣብ ዓራቱ ዚኸውን። ብኻልእ ኣዘራርባ እታ ዓራቱ ዓለሙ። ንሳ እንተ ጥዒማቶ ወይ እንተ መሺኣትሉ፡ እቲ ሕማሙን ስቓዩን እንተ ዘይጐደለ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ስምዒት ዚስምዖ። እቶም ኣለይቱ ንኺምሽኦ ኢሎም ዚገብርዎ ዅሉ ጻዕሪውን፡ ፍቕሮምን ሓልዮቶምን ብግህዶ ስለ ዜርእዮ፡ ኣብ እዋን ስቓዩ ሓጐስን ምጽንናዕን ኪሰምዖ ዚገብር ዝበለጸ ፈውሲ ቓንዛዩ። እዚዓራቱ ተንጽፈሉዚብል ሓረግ ድማ፡ ነቲ ንሕሙም ዚግበር ኵሉ ኽንክን፡ ከም ወካሊ ተግባር ኰይኑ ሰፊሩ ዘሎ። መዓልትን ለይትን ከይተፈለኻ ደቂስካሉን ክትገላበጠሉን ዝጸናሕካ ዓራት እንታይ ከም ዚመስል ኵላትና ንፈልጦ ኢና። መንጸፉ ቐቀልጢፉ እንተ ዘይተቐዪሩን፡ ደጋጊምካ እንተ ዘይተነጺፉን፡ ይትረፍ ደቂስዎ ንዘሎ፡ ብዓይኑ ንዚርእዮ ሰብ ጥራሕ ኣይጽወርንዩ። ዝሓመመ ሰብ፡ ብዘይካ ሕማሙ ዜውርደሉ ስቓይ፡ ብዛዕባ ሞት ዘለዎ ስግኣት፡ ስድራ ቤታውን ማሕበራውን ሓላፍነቱ ኺፍጽም ዘይምኽኣሉ፡ ናይ ሰባት ጾር ምዃኑ፡ ኣለይቱ ኸይስልክዮም ዘለዎ ስግኣት ወዘተ ተደማሚሩ ካብ ሕማም ዘይንእስ ጾርን ስቓይን ዚዀኖ። እቲ ንሕሙም ዜጋጥሞን ዚኸብዶን ኵሉ ነገራት፡ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ገላጺ ብዝዀነ ኣገባብ ሰፊሩልና ኣሎ። እግዚኣብሄርዓራቱ የንጽፈሉኺበሃል ከሎ፡ ካብ ዅሉ ስክፍታን ስግኣትን የዕርፎን የቕስኖን ማለትዩ። ነዚ ኸኣ ብኽልተ መገዲ ይገብሮ። እቲ ቐዳማይ ዚኣክል ጸጋ ኣዕዚዙ ብምሃብዩ። እዚ ጸጋ ዜጸናንዕ፡ ዜተስፍው፡ እምነት ዜዕብይ፡ ብዛዕባ ሕማሙ ብምርረት ዘይኰነ ብሓጐስ ኪዕገስ ዜኽእል (ግብ 541 ማቴ 512) ኻልኣይ መገዲ ድማ ዜጸናንዑ ዚድግፉ ዝጐደለ ዅሉ ዚምልኡ፡ ንኽትሓውየሎም ዚከኣሎም ኵሉ ዚገብሩ፡ ምእንታኻ ብጸሎት ዚነቕሑ ሰባት ኣብ ከባቢኻ ከም ዚዓስሉ ብምግባርዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ብእግዚኣብሄር ዝተዋደደ ናይ ሰባት ደገፍ፦

እንሆ፡ ኣምላኽ ረዳእየይዩ፡ ጐይታይሲ ኣብ ማእከልቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋዩ።ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (መዝ 544) ሰባት ኣብ ጊዜ ሕማምካን ስቓይካን ኪርሕቁኻ ምርኣይ እምብዛ ዝውቱርዩ። ኣቦና እዮብ ብዜሰክሕ ሕማም ይሳቐየሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ካብ ሰበይቱን ደቁን ጀሚሩ ብዅሎም ፈተውቱን ገላውኡን ኣግራዱን ከይተረፈ ተፈንፊኑን ተደፊሩን (እዮ 1912-19) ኣብ መዝሙር ዳዊትውን እዚ ተርእዮ ተደጋጊሙ ሰፊሩ ኣሎ (መዝ 3811,12 415-9 888,18) ኣብ ጊዜ ሕማምና ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣዝማድናን ፈተውትናን ተገዲሶም ኪድግፉናን ኪናብዩናን ከለው፡ ገባሪኡ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዘይነስተውዕለሉ ጊዜ ይበዝሕ። ኣብ ህይወትና ዚኽሰት ኵሉ፡ ካብ እግዚኣብሄርን ብእግዚኣብሄርን ምዃኑ ፈቲና ንርስዖ ኢና። ስለ ነቲ እግዚኣብሄር ብዚረኣይን ብዘይረኣይን መገዲ ዚገብረልና ኽንክን ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኢና። እዚ ድማ ነቲ ስቓይና ዜብእሶ ጠንቂዩ። ኣብ መዳቕሶና ዄንና ድማ ንሓጢኣትና ነብዝሖ።

ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣብ ጊዜ ሕማምና ዚገብሮ ግብራዊ ደገፍ ጽቡቕ ኣብነት ዚዀነት ቕዱስ ጳውሎስዩ። ንሱ ሓይልን ስልጣንን ናይ መለኮት ተዓጢቑ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ፈውሲ ተኣምራት ዝፈጸመ ሰብ ስለ ዝኰነ፡ ኪሓምምን ሕማም ኣብ ልዕሊኡ ኺውዕልን ኪሓድርን ዘይትጽበዮ ሰብዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኑ ግን ሓመመ ደኣ።ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባዚ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡” 2ቈረ 127,8

እቲ ሕማም ድማ ኣካላዊ ሕማም (Physical Illness) ክነሱ ግን ብመልኣኽ ሰይጣን ዚትግበር ሕማም ነበረ። ስቓዩ ቐሊል ከም ዘይነበረ ዜረጋግጸልና፡ ድማ፡ኣብ ስጋ ዝተሰዅዐ ግራጭከም ዝዀነ ገይሩ ምግላጹዩ። ንእሽቶ እሾዅ ኣብ ኣካላትና ኽትወግኣና ኸላ ዚስምዓና ስቓይ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ ንፈልጦ ኢና። እዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ግን ኣብ ስጋኡ ዚነብር ግራጭ (ሕማም)’ዩ። ብመልኣኽ ሰይጣን (ብጋሄን) ዚስኳዕን ዚመሓደርን ግራጫ ምዃኑ ድማ ናይ ሕስሙን ክብደቱን መርኣያዩ። ኣብ ናብ ገላትያ ዝጸሓፎ መልእኽቱ እቲ ሕማሙ ንሰባት ፈተና ዚዀኖም ዜጸይፍ (ዜፈንፍን) ሕማም ከም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ (2ቈረ 127 ገላ 412-14) ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዜጸይፍ ሕማም ኺዕገሶን ኪጾሮን ስለ ዝኸበዶ፡ ካብ ሕማሙ ኺፍውሶ ናብ ኣምላኽ ደጋጊሙ ጸለየ። ጐይታና ድማ ካብ ትዕቢት ምእንቲ ኼድሕኖን ኪባልሆን ኢሉ ብናቱ ፍቓድ ከም ዝተዋህቦ ኣረጋገጸሉ። ካብ ሕማም ኺፍወስ ድማ ፍቓዱ ኸም ዘይኰነ፡ ኣብ ክንዳኡ ግን፡ ሓይሉን ጸጋኡን ከም ዚህቦ ብኸም ዚስዕብ ነገሮ።ሓይለይ ኣብ ድኻም ዚግለጽሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ።” 2ቈረ 129 .)

ድኻምዚብሎ ዘሎ ነቲ ሕማምዩ። ብርግጽ ከኣ ሕማም፡ ናይ ሰብ ናይ ስጋ ድኻምዩ። ስለ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ነቲ ሕማምካ ሓይለይ ንምግላጽ ክጥቀመሉ እደልይ ኣለኹ፡ ስለ ኣብ ክንዲ ፈውስን ጥዕናን፡ እኹልን ዜኽእልን ጸጋይ ሂበካ ኣለኹ።ይብሎ ኣሎ። እዚ መስተውዓሊ ሃዋርያ ድማ፡ ቋንቋን ኣሰራርሓን ናይ ኣምላኽ ብዕምቈት ዚርዳእ ሰብ ስለዝነበረ፡ ብኡንብኡ በቲ ጸሊእዎን ኪሓፍረሉን ዝጸንሐ ሕማም፡ ኪሕጐስን ኪምካሕን ጀመረ። ጸጋን ሓይልን ናይ ጐይታ ምስ ጥዕና ስለ ምውድዳር ማለት፡ ምስ ምንዓቕን ምጽራፍን ዚቝጸርዩ።

“ . . . ስለ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሓድር፡ ብብዙሕ ታሕጐስ ብድኻመይ  (ብሕማመይ) ክምካሕየ። እምበኣርከ ምስ ዝደክም (ምስ ዝሓምም) ሽዑ (ብሓይሊ ጐይታ) ዝብርትዕሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም (ብሕማም) ብጸርፊ፡ ብሓሳር (ብሕስራን) ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስየ።” 2ቈረ 129,10

እዚ ኣበሃህላ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ዝበጽሐ መንፈሳዊ ብስለት መርኣያዩ። ዋላ ጥዕናውን ርእሱ ዝኸኣለ ጸጋ እንተ ዀነ፡ ሎሚ ንኣና፡ጸጋን ሓይልን ናይ ጐይታዶ ወይስ ጥዕና ትመርጽ፧ዚብል ሓታቲ እንተ ንረክብ፡ መንፈሳዊ ሚዛንና ዜቃልዕ መልሲ ንምሃብ ከምንህወኽ ርዱእዩ። እቲ ጸጋን እቲ ጥዕናን እንተ ዘይፈላለዩ ዚጽብቕ እንተ ዀነ፡ ክቡር ሰብ ግና ነቲ ዝኸበረ ብምምራጹ ብምርጫኡ ዚልለይ። እግዚኣብሄር ካብ ጥዕና ስጋ ዚበልጽ ብዙሕ ጸጋ ስለ ዘለዎ፡ ካብ ለባም ሃዋርያ ተማሂርና፡ ባህግናን ጸሎትናን ከነተኻኽል ክንልውጥን ዚግብኣና።

ብኣርኣያ ስላሴ ኸም ዝተፈጠርና ክርስትያን ሰባት መጠን፡ እዚ ናይ ኣምላኽ ምርጫን ኣሰራርሓን ዚምህረናን ዜጹረና ሓላፍነትን እንታይ’ዩ፧ እዚ ሕቶ ንኣና ልዕሊ ኻልእ ኵሉ ሕቶታት ኣዝዩ ኣገዳሲዩ። ምኽንያቱ እቲ ቦኣይኒ ዘይረኣይ ኣምላኽ ዚገብሮም ብዓይኒ ዘይረኣዩ ግብርታትን ዚዕድሎም ብዓይኒ ዘይረኣዩ ጸጋታትን፡ ኪረኣይ ብዚኽእል ኣገባብ ንኸነግህዶ ኣብ ምድሪ ዝተፈጠርና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና። ብቐንዱ ግብሪ ናይ ኣምላኽዩ። ንሕና ድማ ነቲ ግብሩ እንገልጽ ልኡኻት ኢና። ነቲ ግብሩ እንገልጸሉ ኣገባብ ከኣ ክልተዩ። እቲ ቐዳማይ ኣገባብ ቃላዊ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ግብራዊዩ። እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ጊዜ ሕማም ንደቂ ሰባት ዚገብሮ ደገፍን ክንክንን ከይተጋህደ ተሰዊሩ እንተ ተሪፉ፡ ንሕና ኻብ መዓይይቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ሓላፍነትና ስለ ዝበዀርናን፡ ንኣምላኽን ንሰብን ብድርብ ጥልመት ስለ ዘግዳዕናንዩ። እቲ ቐዳማይ ቃላዊ (ልሳናዊ) ኣገልግሎትና፡ ብቓል ኣምላኽ ነቲ ሕሙም ምጽንናዕ፡ ሓሳብን ዕላማን ናይ ኣምላኽ ምግላጽ፡ ኣብ ውሽጢ ልቡ ዀይኖም ንዚርብሽዎ ሕቶታትን ስግኣታትን ምምላስን ምቕንጣጥንዩ። ነዚ ኸኣ ብቓል ኣምላኽምበር፡ ብተራ ማሕበራዊ ዕላላትን ወግዕታትን ዚግበር ኣይኰነን። ንኣምላኽ ወኪሉ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኰይኑ ዚሰርሕ ሰብ፡ ብናይ ኣምላኽ ቃልምበር፡ ብቓል ሰብ ኣይኰነን ዚሰርሕ። ቃል ሰብ የደዓዕስ ይጥብርምበር ኣይጸናንዕንዩ። ስለ እቲ ሓሳብን ዕላማን ናይ ኣምላኽ ብምግላጽ ኪድግፍን ኬጸናንዕን ዚመጽእ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዕቱብ ብምንባብ፡ ንልቡን ንኣፉን ብቓል ኣምላኽ መሊኡ ዚመጽእ። ናይ ኣምላኽ ዕዮ ይዓይይን ይገልጽን ስለ ዘሎ፡ ብመንፈሱ ኺድግፎ፡ ምስጢሩ ኺገልጸሉ፡ ነቲ ዚዝረብ ቃል ኣብ ልቡን ኣብ ኣፉ ኼንብረሉ ነቲ ዝለኣኾ ኣምላኽ ብጸሎት ኪልምኖ ይግባእ። ካብ ድኳን በናና ወይ ብርቱኻን ዓዲግካ ከም እትኸይድ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ለቓቒሙ ብድድ ኢሉ ዚኸይድ ሰብ ንኣምላኽ ዜኽብርን ነቲ ሕሙም ዚጠቅምን፡ ፍረ ዘለዎ ስራሕ ኪሰርሕ ኣይክእልንዩ። ክርስትያን ህዝቢ ዄንካ፡እከለ ሓሚሙ ኢሎምዎ እንታይ ሒዝና ንብጽሓዮ፧ኢልካ ምኻድ ንኣምላኽና ዀነ ንእምነትና ዘይምጥን ድኹም ልማድዩ። እቲ ዝዓበየ ኽንገብሮ ዚግብኣና ድማ እግዚኣብሄር ኪፍውሶ፡ ብጸጋኡ ኪከናኸኖ፡ ብዛዕባ ህይወቱ ዀነ ብዛዕባ ሕማሙ መንፈሳዊ ብርሃን ኪህቦሞ፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ብሕማሙ ኪሕጐስን ኪምካሕን ኬብቅዖ፡ ነታ ስድራ ቤት ከጽንዓን ኬጸናንዓን፡ ኣላዪ ስድራ (Bread Winner) እንተ ዀይኑ ድማ ነታ ስድራ በረኸቱ ኺህባ ኺጽልይ ይግብኦ። እዚ ተግባር በርኣያ ስላሴ ኸም ዝተፈጥረ ናይ ዘይዘንግዐ፡ ናይ እግዚኣብሄር ፍቕርን ሕያውነትን ምሕረትን ኪገልጽ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ናይ ዘስተውዓለ ሰብ ተግባርዩ።

እቲ ኻልኣይ ግብራዊ ኣገልግሎት ድማ፡ እቲ ዝለዓለን ዝበለጸን ኣገልግሎትዩ። ካብ እልፊ ቓላት ሓንቲ ግብሪ ኣዝዩ ዝሓየለን ናብ መዓሙቕ ልቢ ዚሰርጽ ሓቀኛ መልእኽቲተመሓላልፍ። ክብደት ናይ ሕማም ዝተፈላለየ ደረጃታት ከም ዘለዎ ርዱእዩ። ከከም ክብደቱ ዚጠልቦ ጠለባትውን ብእኡ መጠን ይበዝሕን ይፈላለይንዩ። ስለ ነቲ ቝጠባዊ፡ ሞያዊ ወይ ካልእ ደገፍ ዜድልዮ፡ በቲ ዜድልዮን ብዓቕምናን መጠን ንድግፎ። ነቲ ኣካላዊ ደገፍን ክንክንን ዜድልዮ ድማ በቲ ዜድልዮ ንድግፎ። ብፍላይ ነቶም ርእሶም ኪኣልዩ ዘይክእሉ ሕሙማት ምንባይ ኣዝዩ ኸቢድዩ። ብደረጃ ውልቀ ሰብን ስድራ ቤትን ጥራሕ ክትገብሮ ዘይከኣል ሕማማትውን ኣሎ። ሓድሓደ ጊዜ ካብ ሕሙም ንላዕሊ እቲ ኣላዪ ብዝያዳ ዚህሰየሉ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ናብ ሕማም ዚበጽሓሉ እዋን ኣሎ። ሕያውነት ኣምላኽ ተላቢሶም ዚሕግዙ ሓላፍነታውያን ሰባት እንተ ዘይተረኺቦም፡ ብሓንቲ ሕማም ክልተ ሰባትን ልዕሊኡን ክንከስር ዚከኣልዩ። ናይ ሰብ ዘይኰነስ ናይ ኣምላኽ ሕያውነት ተዓጢቖም ዚድግፉ ሰባት ምስ ዚሰኣኑ፡ ህላውነትን ህያውነትን ናይ ኣምላኽ ከም ዚሃስስን እቲ ህዝቢ ናብ ክሕደት ወይ ኢዝሄርነት (Athesm) ገጹ ኸም ዚወድቕን ዚገብር ድኻምዩ። ብዛዕባ ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ እንታይ ፍርዲ ኸም ዚህብ ድማ ኣብ ማቴ 2531-46 ጐይታና ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ነቶም ንሕሙማት ኣብ ክንዳኡ ዀይኖም ዝበጽሕዎምን ዝናበይዎምን፡ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ኢሉ ድሕሪ ምስማዩ፡ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹኢሉ መንግስተ ሰማያት ኣውረሶም። ነቶም ካብ ሓላፍነቶም ዝበዀሩ ድማ፡ኣቱም ርጉማትኢሉ ድሕሪ ምስማዩ፡ በደሎም ገሊጹ ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ናብ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኣፋነዎም። ምኽንያቱ እቶም ንሕሙማት ዘይበጽሑን ዘይድግፉን ዘይናብዩን ሰባት፡ እቶም ነቲ ዓብዪ ሕያውነትን ጸጋን ናይ ኣምላኽ ኪደብዩን ኪደፍኑን ዚጽዕቱ ናይ ሰይጣን ልኡኻትዮም። ስለ ኸኣዮም ናብ ለኣኺኦም ሰይጣን ዝተደርበዮ ስፍራ ስቓይ ዚድርበዩ። ብዛዕባ ሓቂ ኣብ ፍኖተ ህይወት ኣብ ምስጢረ ቀንዴልን ግብረ ሰናይን ዚብል ምዕራፍት ብስፍሓት ተገሊጹ ስለ ዘሎ ከነንብቦን ኽንመሃሮን ከነተግብሮን ይግብኣና።

እምበኣር ሕሉፍን ህሉውን ኣካይዳና ንመርምር። ብዛዕባ ኣብ ገዛእ ርእስና ዀነ ኣብ ከባቢና ብዛዕባ ዚኽሰት ሕማማት ዘሎና መንፈሳዊ ርድኢት ንፈትሽን ነቕንዓዮን። ሕማማት ንዚኸፍቱልና ደገ ኣገልግሎት ንጠቐመሎም፡ ዜሰክሙ ሓላፍነት ድማ ንፈጽሞም። ሕማማት መዓይይትን ልኡኻትን ናይ ኣምላኽ ምዃንና ዜዘኻኽሩና ኣገደስትን ጕሉሓትን ምልክታትዮምሞ፡ ብግቡእ ንጠቐመሎም። ስለ ነዞም ወርቃውያን ዕድላት ኣይንኽሰሮም። ንኽብሪ ኣምላኽናን፡ ንምጽንናዕ ግዳያትናን፡ ንዘለኣለማዊ ረብሓናን ንጠቐመሎም። ደፈንቲ ሕያውነቱን ደበይቲ ጸጋኡን ኣይንኹን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

16 መጋቢት 2025 | መጋቢት 6, 2016 ግዕዝ (መበል 27 ሰንበት: ቊ.፳፯/27)

ምስባክ

መዝ.፮፡፪-፫“ተሣሃለኒ እግዚኦ እስመ ድውይ አነ።ወፈውሰኒ እስመ ተሀውካ አዕፅምትየ።ነፍሥየኒ ተሀውከት ፈድፋደ።”

ዓዲ፡ 

መዝ ፵(፵፩)፡፫,፬“እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ። ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቤሁ እምደዌሁ። አንስ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ።”

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 12፡11-17

ዲያቆን

ያእ 5፡14-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 3፡1-12

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 5፡1-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ መዝሙር፦ ኣምላኩሰ ለአዳም

   

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div