“ንድኻ ዚሓልየሉ ሰብ ብጹእ’ዩ። እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሄር ይሕልዎ፡ ብህይወት’ውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን፡ ናብ ፍቓድ ጸላእቱ (ኣሕሊፉ ኣይህቦን’ዩ)። ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ይድግፎ፡ ንስኻ (ኣብ ጊዜ) ሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። ‘ጐይታየ፡ በዲለካ’የ’ሞ፡ ምሓረኒ፡ ንነፍሰይ ኣሕውያ’ በልኩ።” መዝ 41፡1-4
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ጾም ራብዓይ ሰንበት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ “መፃጕዕ (መጻጕዕ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብቛንቋ ትግርኛ’ውን እንጥቀመሉ ቓል’ዩ። ትርጕሙ ድማ ናይ ምንቅስቓ ክእለቱ ዘጥፍአ፡ ኣካላቱ ዝለመሰ፡ ዝመልበሰ፡ ዝተደነሰ ሰብ ማለት’ዩ። እዚ ምጽጓዐ’ዚ፡ ነርባዕቲኡ (ላዕላይን ታሕታይን) መሓውር (Quadriplegia)፡ ንኽልቲኡ ታሕታይ መሓውር (Paraplegia)፡ ወይ ከኣ ንፍርቂ ሰብነት ዜጥቅዕ ኰይኑ ካብ ርእሲ ኽሳዕ ጽፍሪ እግሪ ዜልምስ (Hemiplegia) ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ሓንቲ ንጽል መሓውር ንበይና እትለምሰሉ እዋን’ውን ኣሎ። ሓደ ኻብ’ቶም ንደቂ ኣዳም ኴጓንፉ ዚኽእሉ ከበድቲ ሕማማት’ዩ። እዚ ብዛዕባ ሕማምን ፈውስን ከነስተንትነሉ ዝተሰርዐ ሰንበትን ሰሙንን’ዚ በዚ ስም’ዚ ኺጽዋዕ ዝተመርጸሉ ምኽንያት’ውን ንኽብደት ናይ’ቲ ሕማም ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ፡ ክልተ ናይ መጻጕዕ ቅንያት’ዩ ዘሎና። እቲ ቐዳማይ ናይ መጻጕዕ ሰንበትን ሰሙንን ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያት (ብግእዝ ካብ ሕዳር 27 ክሳዕ ታሕሳስ 3) ዘሎ ኪኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ድማ እዚ ዘለናዮ ራብዓይ ሰንበትን ሰሙንን ናይ ዓብይ ጾም’ዩ። እዚ ቕንያት’ዚ ብዛዕባ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈዋስነት እንመሃረሉን እነስተንትነሉን፡ ብዛዕባ’ቲ እግዚኣብሄር ብዝተፈላለየ መገዲ ዚህበና ፈውሱ እነመስግነሉ፡ ብዛዕባ’ቶም ብተደጋጋሚ ዜጋጥሙና ናይ ጥዕና ጸገማት ኣብ ፈዋስነት ናይ ኣምላኽ ዘሎና እምነት እነዕብየሉ፡ ኣብ’ቲ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ሕማም ስጋን ኣጋንንትን ሞትን ዘለዎ መለኮታዊ ስልጣን ዘሎና ትውክልቲ እነዕዝዘሉ ዝተባረኸ ቕንያት’ዩ። እዚ ሰንበት’ዚ “መጻጕዕ” ስለ ዝተሰምየ፡ ምጽጓዐ ጥራሕ ኢና ‘ንሓስብ ማለት ኣይኰነን። ብዓብዪ ብዛዕባ’ቲ ብጐይታና ዝተፈጸመ ኵሉ ናይ ሕውየት ተኣምራት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ’ቲ ዅሎም ብስሙ ዝተላእኩ ቅዱሳን ሃዋርያትን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ብናቱ ፍቓድን ስልጣንን ዝፈጸምዎ ናይ ፈውሲ ተኣምራት’ውን ዜጠቓልል’ዩ። ምኽንያቱ ጐይታ ንበይኑ’ዩ ገባሪኡ። እቲ ሎሚ ብምስጢረ-ቀንዴል ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዚፍጸም ናይ ፈውሲ ተኣምራት’ውን ኣብኡ ዚጠቓለል’ዩ። ፈዋስነት፡ ናይ በይኑ ናይ እግዚኣብሄር ባህርይ ጥራሕ’ዩ። መልኣኽ ይኹን ሰብ፡ ብዘይ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ፡ ከምኡ’ውን ብዘይ ናይ ኣምላኽ ሓይልን ብስልጣንን ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኪገብር ኣይክእልን’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ “መጻጕዕ” ዝተሰምየ ሰንበትን ሰሙንን፡ ኣብ’ዚ ዘመነ ጾም’ዚ ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ርድኢት ምእንቲ ኺህልወና’ምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ዘይንፈልጦ መጻጕዕ ዝተፈጸመ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኣንቢብናን ሰሚዕናን ንኽንሓልፍ ጥራሕ ኣይኰነን።
ነዚ ናይ መጻጕዕ ሰንበት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር ሰንበት ከኣ “ኣምላኩሰ ለአዳም (ንኣዳም ኣምላኹ)” ዘርእስቱ’ዩ። “ንኣዳም ኣምላኹ” ዚበሃል ዘሎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ንሱ ሰንበት ንዕረፍቲ ከም ዝሰርዐ፡ ኣይሁድ “በየናይ ስልጣን ነዚ ትገብር ኣለኻ፧” ከም ዝበልዎ፡ ንሱ ድማ፡ “ኣነ እገብር፡ ንስኻትኩም ድማ ንግብረይ እመንዎ፡ ኣነ ጐይታ ሰንበት’የ” ከም ዝበሎም፡ ወልድ ዋሕድ ጐይታ ሰንበት ምዃኑ፡ “ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሓድግ ስልጣን ኣሎኒ፡ ሓርነት እሰብኽ፡ ኣዒንቲ ዕውራት እኸፍት፡ ኣቦይ’ዩ ልኢኹኒ” ከም ዝበሎም፡ ብምራቑ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቲ ዓይነ ስውር ከም ዘሕወየ፡ ጸሓይ ጽድቂ ስለ ዝበረቐ ብብዝሒ ሰላም ጻድቃን ኪሕጐሱ ዚዕድም መዝሙር’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ በዞም ዚስዕቡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተሃንጸ’ዩ፡ (ማቴ 21፡23 ፣ ዮሃ 2፡18 ፣ 5፡17,19 ፣ 10፡37,38 ፣ 14፡11 ፣ ማር 2፡28 ፣ ማቴ 9፡6 ፣ 11፡5 ፣ ሚል 4፡2 ፣ መዝ 37፡11 ፣ ኢሳ 61፡ 1 ፣ ሉቃ 4፡16-21)። እቲ ብመሰት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ብዛዕባ ሕማምን ፈዋስነት ጐይታን ዚዛረብ’ዩ። ክልቲኡ ናይ መዝሙር ዳዊት ናይ ምስባክ ኣማራጺታት’ውን ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ (መዝ 6፡2,3 ፣ 41፡3,4)። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌልን ናይ ግብሪ ሃዋርያትን ንባባት ብዛዕባ ፍወሳ ናይ ክልተ መጻጕዓት ዚትርኹ’ዮም። እቲ ቐዳማይ ብጐይታና ዝተፈጸመ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብቕዱሳን ሃዋርያት (ጴጥሮስን ዮሃንስ) ዝተፈጸመ’ዩ። ክልቲኦም ድማ ንነዊሕ ዓመታት ዝሓመሙ፡ እቲ ቐዳማይ ንልዕሊ 38 ዓመታት፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝመጽጕዑ ነበሩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ጐይታና ኵሉ-ኸኣልነትን ሓይሊ ፈዋስነትን ዜመልክተና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ ትምህርትናን መሪሕ ጥቕስናን ጌርናዮ ዘለና፡ እቲ ናይ መዝ 41፡3,4 ምስባክ’ዩ። እዚ ምስባክ’ዚ እግዚኣብሄር ነቶም ብስነ ምግባሮም ዘስመርዎ ብጹኣን ሰባት፡ ኣብ ጊዜ ሕማሞም ዚገብረሎም ግብሪ ሕያውነት እንታይ ከም ዚመስል ዚገልጽ’ዩ። እዚ ጥቕሲ’ዚ ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሄር ልኡላዊ ፍቓድን፡ ሕያውነቱ ዚገልጸሉ ዝተፈላለየ መገድታትን እንታይ ከም ዚመስል ዜርእየናን ዜስተምህረናን’ዩ።
ቅዱስ ዳዊት በዚ መዝሙር’ዚ እንታይ’ዩ ዚብለና ዘሎ፧ እግዚኣብሄር ንዝዀነ ዓይነት ሕማም ብቐሊሉ ኺፍውስ ዚኽእል ክነሱ፡ ንምንታይ’ዩ ምድጋፍን ምክንኻንን መሪጹ፧ ብተሓሳስባ ሰብ’ምበር፡ ብናይ ኣምላኽ ኣተሓሳስባ እንተ ዘይርኢናዮ፡ ብዘይ ቃልዓለም እዚ ጥቕሲ’ዚ ኣብ ልብኻ ሕቶ ኺፈጥር ዚኽእል’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንሓደ ሕሙም፡ ኣብ ዓራቱ ምድጋፍን ምክንኻንን፡ ናይ ሓደ ኼሕውይ ዘይክእል ድኹም ሰብ ተግባር’ምበር፡ ናይ ኣምላኽ ተግባር ኰይኑ ኣይረኣየካን’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዀነ፡ እቶም ብስሙ ንሕሙማት ኪፍውሱ ስልጣን ዝሃቦም ደቀ መዛሙርቱ ብሓንቲ ቓል ወይ ብሓንቲ ምትንካፍ ከቢድ ሕማም ከም ዚፍውሱን ምዉታት ከም ዜተንስኡን ስለ ዘንበብናን ስለ ዝተመሃርናን፡ ነቶም ብእምነቶምን ብግብሮምን ዜሐጕስዎ ብጹኣት ድማ ከምኡ ኺገብረሎም ከም ዚግባእ ኢና ’ንሓስብን ‘ንኣምንን። እዚ ትጽቢትና’ዚ ክዉንነታዊ (Realistic)’ምበር፡ ዝተጋነነ ወይ ልዕሊ ዚግባእ ዝተመጥጠ ትጽቢት ኣይኰነን። እዚ ሕቶ’ዚ ንኣምላኽ ከም ምድፋር ወይ’ውን ብዛዕባ ኸኣልነቱን ሰናይነቱን ከም ምጥርጣር ኪቝጸር’ውን ኣይግባእን’ዩ። ምስ እግዚኣብሄር ናይ ውሉድን ወላድን ዝምድና ስለ ዘሎና። እግዚኣብሄር ብኸም’ዚ ዝበለ ኣተሓሳስባን ሕቶን ይሕጐስ’ምበር፡ ኣይጕህይን’ዩ። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ፡ “ብዛዕባ ግብሪ ኢዴይ ሕተቱኒ፡ ምጹ’ሞ ንሓድሕድና ንማጐት” ኢሉ ዚዕድም ኣምላኽ’ዩ (ኢሳ 43፡26 ፣ 45፡11 ፣ 1፡18)
ናይ እግዚኣብሄር ኣሰራርሓን ግብርን ብቐሊሉ ኺርድኣና ዚኽእል ግና ንባህርዪ ኸም ዚግባእ ምስ ‘ንርድኦ’ዩ። እግዚኣብሄር ሰናይ ኣምላኽ፡ ሕያዋይን ለዋህን ፈቃርን ምሕረተኛን ኣምላኽ ምዃኑ፡ ንዅሉ ድማ ብዕላማን ብብቑዕ ምኽንያትን ከም ዚገብሮ ምሉእ ርድኢት እንተ’ልዩናን ብምልኣት እንተ ኣሚንናሉን፡ ዝዀነ ይኹን ቃሉን ተግባሩን ዋላ እንተ ዘይተረድኣና’ኳ ኣይንጠራጠረሉን፡ ኣይንዕንቀፈሉን ድማ ኢና። ንሕና’ኳ “ንብጹእ ሰብሲ ቅጽበታዊ ፍወሳ’ዩ ዚግብኦ” ኢልና እንተ ኣሚንና፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሰናይን ፍትሓውን ኣምላኽ፡ ካብ’ቲ ናትና ኪግመትን ኪግለጽን ብዘይክእል መጠን ኣዝዩ ዝበለጸ’ዩ ዚሓስብ። ስለ’ዚ ዝዀነ ኻልእ ትንተና ኸየድለዮ፡ ነቲ ብጹእ ሰብ ካብ’ታ ንሕና ዝተመነናሉ ቕጽበታዊ ሕውየት ንላዕሊ እቲ እግዚኣብሄር ዝሓሰበሉ ዝተናውሐ ኽንክን’ዩ ኣዝዩ ዜሕሾን ዚምጥኖን። ናትና ጸገም፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዚገብረሉ ደገፍን ክንክንን በዒንትና ዘይንርእዮ ምዃንና’ዩ። ከኣል ኵሉ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንሕያውነቱ ኻብ ብፍወሳ ንላዕሊ ብኽንክን ጽቡቕ ገይሩ ኺፍጽሞን ኬግህዶን ዚኽእል’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ናይ እግዚኣብሄር ባህርይን ኣሰራርሓን’ዚ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝተረድኦ፡ ኣብ’ቲ መዝሙር ምስጋናኡ ግሩም ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።
“እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ’ዩ፡ ርሕራሔኡ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ’ዩ። . . . እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ’ዩ፡ ብዅሉ ግብሩ’ውን ሕያዋይ’ዩ።” መዝ 145፡9,17
ስለ’ዚ ሕያውነቱ ኣብ ገሊኡ ግብርታቱ እምብዛ ጐሊሑ ኣብ ገሊኡ ግን ዳርጋ ዘየለ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ እዚ ጸገም’ዚ ናትና ናይ ኣረኣእያን ኣረዳድኣን ጸገም’ምበር ናይ እግዚኣብሄር ጸገም ኣይኰነን። ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና መሰረታዊ መንፈሳዊ ሓቂ እንተ’ልዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ባህርያቱ ዀነ ኣብ መንጎ ግብርታቱ ፈጺሙ ዘየበላልጽ ምዃኑ’ዩ። ብናትና ኣተሓሳስባ ፍቕርን ፍርድን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐን ንሓድሕዱ ዚጻረርን ባህርይ’ዩ ዚመስለና። ስለ’ዚ ድማ ካብ ናይ ፍርዲ ንላዕሊ፡ ናይ ፍቕሪ ባህርይ ከም ዚበልጽ ኢና ንሓስብ ኣብ እግዚኣብሄር ግን ከምኡ ዚበሃል የለን። ሚዛናዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ንዅሉ ባህርያቱ ብማዕረ ይርእዮን የኽብሮን። ኣባና ኣብ ሰባት፡ ካብ ምክንኻን ምፍዋስ ከም ዚበልጽ’ዩ ዚሕሰብ። ብእግዚኣብሄር ምስ ዚግበር ግን፡ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ግብርታት ዝዀነ ዓይነት ምብልላጽ የብሉን። ስለ’ዚ ብዛዕባ ተጋሂዱ ዝረኣናዮ ባህርይን ግብርን ናይ እግዚኣብሄር ተሃዊኽና ኸይንዛረብ ክንፈርህን ክንጥንቀቕን ይግብኣና። ምኽንያቱ እቲ ‘ንፈልጦ ኣዝዩ ውሑድ (ኢምንት)’ዩ። ንሱ ዘየበላለጸስ፡ ንሕና ብዛዕባ ዘይንፈልጦ ባህርዩን ግብሩን ከነበላልጽ እንተ ጀሚርና፡ ናይ ድፍረት ሓጢኣት’ዩ ዚዀነና። ስለ’ዚ ንፍለጦ ኣይንፍለጦ፡ ይረድኣና ኣይረድኣና፡ ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሄር ባህርይን ግብርን ብኣሉታ ኸይንሓስብን ከይንዛረብን ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብር ይግብኣና።
እግዚኣብሄር ይትረፍ ብምክንኻን ብሞት’ውን ሕያውነቱ ኣጕሊሑ ኼርእይ ዚኽእል ኣምላኽ’ዩ። እዚ ብሰሪ ሓጢኣት ሚዛኑ ዝተበላሸወ ኣእምሮና ግን፡ “ከመይ ኢሉ ደኣ’ዩ ሞትከ ናይ ሕያውነት መርኣያ ዝዀነ፡” ዚብል ሕቶ ኼላዕለልና ይኽእል’ዩ። እግዚኣብሄር ንጻድቃን ከመይ ገይሩ ብሞት ሕያውነት ከም ዚገብረሎም ብነብዪ ኢሳይያስ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።
“ጻድቃን ይሞቱ’ሞ (ብሞቶም እንታይ ከም ዝረብሑ) ዚሓስቦም የልቦን። እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ኸኣ ብሃንደበት ይሞቱ (ይምንጠሉ)’ሞ፡ እግዚኣብሄር ክፉእ ከይርእዩ ኢሉ ኸም ዝወሰዶም (ካብ እከይ ከም እተኣርነቡ) ዜስተውዕሎ የልቦን። እቶም ብቕንዕና ዚነብሩ ምስ ሞቱ ሰላምን ዕረፍትን ይረኽቡ።” ኢሳ 57፡1,2 ካ.ት
ንሕና ለቢስናዮ ዘሎና ናይ ስጋ ድንኳን ኪቕንጠጠና ኣይንፈትውን ኢና (2ቈረ 5፡4)። እቲ ዅሉ ጊዜ ነቲ ዝበለጸ ጥራይ ዚሓስበልና ኣምላኽ ግን፡ በቲ እንፈርሆን ‘ንጸልኦን ሞት ገይሩ፡ ናብ ዝበለጸ ሰላምን ዕረፍትን ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም የሰጋግረና።
እዚ “ዓራቱ የንጽፈሉ” ዚብል ኣገላልጻ እንታይ ማለት’ዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስከ ብግብሪ ብኸምኡ ዘገልገሎም ኣብነታት ኣለውና’ዶ፧ እዚ ናይ ቅዱስ ዳዊት ኣገላልጻ፡ ተምሳላዊ’ዩ። ሓደ ሰብ ምስ ሓመመ’ሞ ምስ ተደነሰ፡ ኵሉ ናብራኡ ኣብ’ታ ዓራቱ’ዩ ዚኸውን። ብኻልእ ኣዘራርባ እታ ዓራቱ’ያ ዓለሙ። ንሳ እንተ ጥዒማቶ ወይ እንተ መሺኣትሉ፡ እቲ ሕማሙን ስቓዩን’ኳ እንተ ዘይጐደለ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ስምዒት’ዩ ዚስምዖ። እቶም ኣለይቱ ንኺምሽኦ ኢሎም ዚገብርዎ ዅሉ ጻዕሪ’ውን፡ ፍቕሮምን ሓልዮቶምን ብግህዶ ስለ ዜርእዮ፡ ኣብ እዋን ስቓዩ ሓጐስን ምጽንናዕን ኪሰምዖ ዚገብር ዝበለጸ ፈውሲ ቓንዛ’ዩ። እዚ “ዓራቱ ተንጽፈሉ” ዚብል ሓረግ ድማ፡ ነቲ ንሕሙም ዚግበር ኵሉ ኽንክን፡ ከም ወካሊ ተግባር ኰይኑ’ዩ ሰፊሩ ዘሎ። መዓልትን ለይትን ከይተፈለኻ ደቂስካሉን ክትገላበጠሉን ዝጸናሕካ ዓራት እንታይ ከም ዚመስል ኵላትና ንፈልጦ ኢና። መንጸፉ ቐቀልጢፉ እንተ ዘይተቐዪሩን፡ ደጋጊምካ እንተ ዘይተነጺፉን፡ ይትረፍ ደቂስዎ ንዘሎ፡ ብዓይኑ ንዚርእዮ ሰብ ጥራሕ’ኳ ኣይጽወርን’ዩ። ዝሓመመ ሰብ፡ ብዘይካ’ቲ ሕማሙ ዜውርደሉ ስቓይ፡ ብዛዕባ ሞት ዘለዎ ስግኣት፡ ስድራ ቤታውን ማሕበራውን ሓላፍነቱ ኺፍጽም ዘይምኽኣሉ፡ ናይ ሰባት ጾር ምዃኑ፡ ኣለይቱ ኸይስልክዮም ዘለዎ ስግኣት ወዘተ ተደማሚሩ ካብ’ቲ ሕማም ዘይንእስ ጾርን ስቓይን’ዩ ዚዀኖ። እቲ ንሕሙም ዜጋጥሞን ዚኸብዶን ኵሉ ነገራት፡ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ገላጺ ብዝዀነ ኣገባብ ሰፊሩልና ኣሎ። እግዚኣብሄር “ዓራቱ የንጽፈሉ” ኺበሃል ከሎ፡ ካብ’ዚ ዅሉ ስክፍታን ስግኣትን የዕርፎን የቕስኖን ማለት’ዩ። ነዚ ኸኣ ብኽልተ መገዲ ይገብሮ። እቲ ቐዳማይ ዚኣክል ጸጋ ኣዕዚዙ ብምሃብ’ዩ። እዚ ጸጋ’ዚ ዜጸናንዕ፡ ዜተስፍው፡ እምነት ዜዕብይ፡ ብዛዕባ ሕማሙ ብምርረት ዘይኰነ ብሓጐስ ኪዕገስ ዜኽእል’ዩ (ግብ 5፡41 ፣ ማቴ 5፡12)። ኻልኣይ መገዲ ድማ ዜጸናንዑ ዚድግፉ ዝጐደለ ዅሉ ዚምልኡ፡ ንኽትሓውየሎም ዚከኣሎም ኵሉ ዚገብሩ፡ ምእንታኻ ብጸሎት ዚነቕሑ ሰባት ኣብ ከባቢኻ ከም ዚዓስሉ ብምግባር’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ብእግዚኣብሄር ዝተዋደደ ናይ ሰባት ደገፍ፦
“እንሆ፡ ኣምላኽ ረዳእየይ’ዩ፡ ጐይታይሲ ኣብ ማእከል’ቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ’ዩ።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (መዝ 54፡4)። ሰባት ኣብ ጊዜ ሕማምካን ስቓይካን ኪርሕቁኻ ምርኣይ እምብዛ ዝውቱር’ዩ። ኣቦና እዮብ ብዜሰክሕ ሕማም ይሳቐየሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ካብ ሰበይቱን ደቁን ጀሚሩ ብዅሎም ፈተውቱን ገላውኡን ኣግራዱን ከይተረፈ ተፈንፊኑን ተደፊሩን’ዩ (እዮ 19፡12-19)። ኣብ መዝሙር ዳዊት’ውን እዚ ተርእዮ’ዚ ተደጋጊሙ ሰፊሩ ኣሎ (መዝ 38፡11,12 ፣ 41፡5-9 ፣ 88፡8,18)። ኣብ ጊዜ ሕማምና ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣዝማድናን ፈተውትናን ተገዲሶም ኪድግፉናን ኪናብዩናን ከለው፡ ገባሪኡ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዘይነስተውዕለሉ ጊዜ ይበዝሕ። ኣብ ህይወትና ዚኽሰት ኵሉ፡ ካብ እግዚኣብሄርን ብእግዚኣብሄርን ምዃኑ ፈቲና ንርስዖ ኢና። ስለ’ዚ ነቲ እግዚኣብሄር ብዚረኣይን ብዘይረኣይን መገዲ ዚገብረልና ኽንክን ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኢና። እዚ ድማ ነቲ ስቓይና ዜብእሶ ጠንቂ’ዩ። ኣብ መዳቕሶና ዄንና ድማ ንሓጢኣትና ነብዝሖ።
ብዛዕባ’ቲ እግዚኣብሄር ኣብ ጊዜ ሕማምና ዚገብሮ ግብራዊ ደገፍ ጽቡቕ ኣብነት ዚዀነት ቕዱስ ጳውሎስ’ዩ። ንሱ ሓይልን ስልጣንን ናይ መለኮት ተዓጢቑ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ፈውሲ ተኣምራት ዝፈጸመ ሰብ ስለ ዝኰነ፡ ኪሓምምን ሕማም ኣብ ልዕሊኡ ኺውዕልን ኪሓድርን ዘይትጽበዮ ሰብ’ዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኑ ግን ሓመመ ደኣ። “ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባዚ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡” 2ቈረ 12፡7,8
እቲ ሕማም ድማ ኣካላዊ ሕማም (Physical Illness) ክነሱ ግን ብመልኣኽ ሰይጣን ዚትግበር ሕማም ነበረ። ስቓዩ ቐሊል ከም ዘይነበረ ዜረጋግጸልና፡ ድማ፡ “ኣብ ስጋ ዝተሰዅዐ ግራጭ” ከም ዝዀነ ገይሩ ምግላጹ’ዩ። ንእሽቶ እሾዅ ኣብ ኣካላትና ኽትወግኣና ኸላ ዚስምዓና ስቓይ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ ንፈልጦ ኢና። እዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ግን ኣብ ስጋኡ ዚነብር ግራጭ (ሕማም)’ዩ። ብመልኣኽ ሰይጣን (ብጋሄን) ዚስኳዕን ዚመሓደርን ግራጫ ምዃኑ ድማ ናይ ሕስሙን ክብደቱን መርኣያ’ዩ። ኣብ’ቲ ናብ ገላትያ ዝጸሓፎ መልእኽቱ እቲ ሕማሙ ንሰባት ፈተና ዚዀኖም ዜጸይፍ (ዜፈንፍን) ሕማም ከም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ (2ቈረ 12፡7 ፣ ገላ 4፡12-14)። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዜጸይፍ ሕማም’ዚ ኺዕገሶን ኪጾሮን ስለ ዝኸበዶ፡ ካብ ሕማሙ ኺፍውሶ ናብ ኣምላኽ ደጋጊሙ ጸለየ። ጐይታና ድማ ካብ ትዕቢት ምእንቲ ኼድሕኖን ኪባልሆን ኢሉ ብናቱ ፍቓድ ከም ዝተዋህቦ ኣረጋገጸሉ። ካብ’ቲ ሕማም’ቲ ኺፍወስ ድማ ፍቓዱ ኸም ዘይኰነ፡ ኣብ ክንዳኡ ግን፡ ሓይሉን ጸጋኡን ከም ዚህቦ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ነገሮ። “ሓይለይ ኣብ ድኻም’ዩ ዚግለጽ’ሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ።” 2ቈረ 12፡9 ካ.ት)።
“ድኻም” ዚብሎ ዘሎ ነቲ ሕማም’ዩ። ብርግጽ ከኣ ሕማም፡ ናይ ሰብ ናይ ስጋ ድኻም’ዩ። ስለ’ዚ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ነቲ ሕማምካ ሓይለይ ንምግላጽ ክጥቀመሉ እደልይ ኣለኹ፡ ስለ’ዚ ኣብ ክንዲ ፈውስን ጥዕናን፡ እኹልን ዜኽእልን ጸጋይ ሂበካ ኣለኹ።” ይብሎ ኣሎ። እዚ መስተውዓሊ ሃዋርያ ድማ፡ ቋንቋን ኣሰራርሓን ናይ ኣምላኽ ብዕምቈት ዚርዳእ ሰብ ስለዝነበረ፡ ብኡንብኡ በቲ ጸሊእዎን ኪሓፍረሉን ዝጸንሐ ሕማም፡ ኪሕጐስን ኪምካሕን ጀመረ። ጸጋን ሓይልን ናይ ጐይታ ምስ ጥዕና ስለ ምውድዳር ማለት፡ ምስ ምንዓቕን ምጽራፍን ዚቝጸር’ዩ።
“ . . . ስለ’ዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሓድር፡ ብብዙሕ ታሕጐስ ብድኻመይ (ብሕማመይ) ክምካሕ’የ። እምበኣርከ ምስ ዝደክም (ምስ ዝሓምም)፡ ሽዑ’የ (ብሓይሊ ጐይታ) ዝብርትዕ’ሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም (ብሕማም)፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር (ብሕስራን)፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ’የ።” 2ቈረ 12፡9,10
እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ዝበጽሐ መንፈሳዊ ብስለት መርኣያ’ዩ። ዋላ ጥዕና’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ጸጋ እንተ ዀነ፡ ሎሚ ንኣና፡ “ጸጋን ሓይልን ናይ ጐይታዶ ወይስ ጥዕና ትመርጽ፧” ዚብል ሓታቲ እንተ ንረክብ፡ መንፈሳዊ ሚዛንና ዜቃልዕ መልሲ ንምሃብ ከም ‘ንህወኽ ርዱእ’ዩ። እቲ ጸጋን እቲ ጥዕናን እንተ ዘይፈላለዩ’ኳ ዚጽብቕ እንተ ዀነ፡ ክቡር ሰብ ግና ነቲ ዝኸበረ ብምምራጹ ብምርጫኡ’ዩ ዚልለይ። እግዚኣብሄር ካብ ጥዕና ስጋ ዚበልጽ ብዙሕ ጸጋ ስለ ዘለዎ፡ ካብ’ዚ ለባም ሃዋርያ ተማሂርና፡ ባህግናን ጸሎትናን ከነተኻኽል ክንልውጥን’ዩ ዚግብኣና።
ብኣርኣያ ስላሴ ኸም ዝተፈጠርና ክርስትያን ሰባት መጠን፡ እዚ ናይ ኣምላኽ ምርጫን ኣሰራርሓን ዚምህረናን ዜጹረና ሓላፍነትን እንታይ’ዩ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ንኣና ልዕሊ ኻልእ ኵሉ ሕቶታት ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ቦኣይኒ ዘይረኣይ ኣምላኽ ዚገብሮም ብዓይኒ ዘይረኣዩ ግብርታትን ዚዕድሎም ብዓይኒ ዘይረኣዩ ጸጋታትን፡ ኪረኣይ ብዚኽእል ኣገባብ ንኸነግህዶ ኣብ’ዛ ምድሪ ዝተፈጠርና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና። ብቐንዱ’ቲ ግብሪ ናይ ኣምላኽ’ዩ። ንሕና ድማ ነቲ ግብሩ እንገልጽ ልኡኻት ኢና። ነቲ ግብሩ እንገልጸሉ ኣገባብ ከኣ ክልተ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ኣገባብ ቃላዊ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ግብራዊ’ዩ። እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ጊዜ ሕማም ንደቂ ሰባት ዚገብሮ ደገፍን ክንክንን ከይተጋህደ ተሰዊሩ እንተ ተሪፉ፡ ንሕና ኻብ’ቲ መዓይይቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ሓላፍነትና ስለ ዝበዀርናን፡ ንኣምላኽን ንሰብን ብድርብ ጥልመት ስለ ዘግዳዕናን’ዩ። እቲ ቐዳማይ ቃላዊ (ልሳናዊ) ኣገልግሎትና፡ ብቓል ኣምላኽ ነቲ ሕሙም ምጽንናዕ፡ ሓሳብን ዕላማን ናይ ኣምላኽ ምግላጽ፡ ኣብ ውሽጢ ልቡ ዀይኖም ንዚርብሽዎ ሕቶታትን ስግኣታትን ምምላስን ምቕንጣጥን’ዩ። ነዚ ኸኣ ብቓል ኣምላኽ’ምበር፡ ብተራ ማሕበራዊ ዕላላትን ወግዕታትን ዚግበር ኣይኰነን። ንኣምላኽ ወኪሉ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኰይኑ ዚሰርሕ ሰብ፡ ብናይ ኣምላኽ ቃል’ምበር፡ ብቓል ሰብ ኣይኰነን ዚሰርሕ። ቃል ሰብ የደዓዕስ ይጥብር’ምበር ኣይጸናንዕን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ሓሳብን ዕላማን ናይ ኣምላኽ ብምግላጽ ኪድግፍን ኬጸናንዕን ዚመጽእ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዕቱብ ብምንባብ፡ ንልቡን ንኣፉን ብቓል ኣምላኽ መሊኡ’ዩ ዚመጽእ። ናይ ኣምላኽ ዕዮ ይዓይይን ይገልጽን ስለ ዘሎ፡ ብመንፈሱ ኺድግፎ፡ ምስጢሩ ኺገልጸሉ፡ ነቲ ዚዝረብ ቃል ኣብ ልቡን ኣብ ኣፉ ኼንብረሉ ነቲ ዝለኣኾ ኣምላኽ ብጸሎት ኪልምኖ ይግባእ። ካብ ድኳን በናና ወይ ብርቱኻን ዓዲግካ ከም እትኸይድ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ለቓቒሙ ብድድ ኢሉ ዚኸይድ ሰብ ንኣምላኽ ዜኽብርን ነቲ ሕሙም ዚጠቅምን፡ ፍረ ዘለዎ ስራሕ ኪሰርሕ ኣይክእልን’ዩ። ክርስትያን ህዝቢ ዄንካ፡ “እከለ ሓሚሙ ኢሎምዎ’ሞ እንታይ ሒዝና ንብጽሓዮ፧” ኢልካ ምኻድ ንኣምላኽና ዀነ ንእምነትና ዘይምጥን ድኹም ልማድ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ኽንገብሮ ዚግብኣና ድማ እግዚኣብሄር ኪፍውሶ፡ ብጸጋኡ ኪከናኸኖ፡ ብዛዕባ ህይወቱ ዀነ ብዛዕባ ሕማሙ መንፈሳዊ ብርሃን ኪህቦ’ሞ፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ብሕማሙ ኪሕጐስን ኪምካሕን ኬብቅዖ፡ ነታ ስድራ ቤት ከጽንዓን ኬጸናንዓን፡ ኣላዪ ስድራ (Bread Winner) እንተ ዀይኑ ድማ ነታ ስድራ በረኸቱ ኺህባ ኺጽልይ ይግብኦ። እዚ ተግባር’ዚ በርኣያ ስላሴ ኸም ዝተፈጥረ ናይ ዘይዘንግዐ፡ ናይ እግዚኣብሄር ፍቕርን ሕያውነትን ምሕረትን ኪገልጽ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ናይ ዘስተውዓለ ሰብ ተግባር’ዩ።
እቲ ኻልኣይ ግብራዊ ኣገልግሎት ድማ፡ እቲ ዝለዓለን ዝበለጸን ኣገልግሎት’ዩ። ካብ እልፊ ቓላት ሓንቲ ግብሪ ኣዝዩ ዝሓየለን ናብ መዓሙቕ ልቢ ዚሰርጽ ሓቀኛ መልእኽቲ’ያ ‘ተመሓላልፍ። ክብደት ናይ ሕማም ዝተፈላለየ ደረጃታት ከም ዘለዎ ርዱእ’ዩ። ከከም ክብደቱ ዚጠልቦ ጠለባት’ውን ብእኡ መጠን ይበዝሕን ይፈላለይን’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ቝጠባዊ፡ ሞያዊ ወይ ካልእ ደገፍ ዜድልዮ፡ በቲ ዜድልዮን ብዓቕምናን መጠን ንድግፎ። ነቲ ኣካላዊ ደገፍን ክንክንን ዜድልዮ ድማ በቲ ዜድልዮ ንድግፎ። ብፍላይ ነቶም ርእሶም ኪኣልዩ ዘይክእሉ ሕሙማት ምንባይ ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ። ብደረጃ ውልቀ ሰብን ስድራ ቤትን ጥራሕ ክትገብሮ ዘይከኣል ሕማማት’ውን ኣሎ። ሓድሓደ ጊዜ ካብ’ቲ ሕሙም ንላዕሊ እቲ ኣላዪ ብዝያዳ ዚህሰየሉ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ ሕማም ዚበጽሓሉ እዋን ኣሎ። ሕያውነት ኣምላኽ ተላቢሶም ዚሕግዙ ሓላፍነታውያን ሰባት እንተ ዘይተረኺቦም፡ ብሓንቲ ሕማም ክልተ ሰባትን ልዕሊኡን ክንከስር ዚከኣል’ዩ። ናይ ሰብ ዘይኰነስ ናይ ኣምላኽ ሕያውነት ተዓጢቖም ዚድግፉ ሰባት ምስ ዚሰኣኑ፡ ህላውነትን ህያውነትን ናይ ኣምላኽ ከም ዚሃስስን እቲ ህዝቢ ናብ ክሕደት ወይ ኢዝሄርነት (Athesm) ገጹ ኸም ዚወድቕን ዚገብር ድኻም’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ እንታይ ፍርዲ ኸም ዚህብ ድማ ኣብ ማቴ 25፡31-46 ጐይታና ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ነቶም ንሕሙማት ኣብ ክንዳኡ ዀይኖም ዝበጽሕዎምን ዝናበይዎምን፡ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ኢሉ ድሕሪ ምስማዩ፡ “ካብ’ዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ መንግስተ ሰማያት ኣውረሶም። ነቶም ካብ’ዚ ሓላፍነቶም’ዚ ዝበዀሩ ድማ፡ “ኣቱም ርጉማት” ኢሉ ድሕሪ ምስማዩ፡ በደሎም ገሊጹ ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ናብ’ቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኣፋነዎም። ምኽንያቱ እቶም ንሕሙማት ዘይበጽሑን ዘይድግፉን ዘይናብዩን ሰባት፡ እቶም ነቲ ዓብዪ ሕያውነትን ጸጋን ናይ ኣምላኽ ኪደብዩን ኪደፍኑን ዚጽዕቱ ናይ ሰይጣን ልኡኻት’ዮም። ስለ’ዚ ኸኣ’ዮም ናብ’ቲ ለኣኺኦም ሰይጣን ዝተደርበዮ ስፍራ ስቓይ ዚድርበዩ። ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ፍኖተ ህይወት ኣብ’ቲ ምስጢረ ቀንዴልን ግብረ ሰናይን ዚብል ምዕራፍት ብስፍሓት ተገሊጹ ስለ ዘሎ ከነንብቦን ኽንመሃሮን ከነተግብሮን ይግብኣና።
እምበኣር ሕሉፍን ህሉውን ኣካይዳና ንመርምር። ብዛዕባ ኣብ ገዛእ ርእስና ዀነ ኣብ ከባቢና ብዛዕባ ዚኽሰት ሕማማት ዘሎና መንፈሳዊ ርድኢት ንፈትሽን ነቕንዓዮን። ሕማማት ንዚኸፍቱልና ደገ ኣገልግሎት ንጠቐመሎም፡ ዜሰክሙ ሓላፍነት ድማ ንፈጽሞም። ሕማማት መዓይይትን ልኡኻትን ናይ ኣምላኽ ምዃንና ዜዘኻኽሩና ኣገደስትን ጕሉሓትን ምልክታት’ዮም’ሞ፡ ብግቡእ ንጠቐመሎም። ስለ’ዚ ነዞም ወርቃውያን ዕድላት ኣይንኽሰሮም። ንኽብሪ ኣምላኽናን፡ ንምጽንናዕ ግዳያትናን፡ ንዘለኣለማዊ ረብሓናን ንጠቐመሎም። ደፈንቲ ሕያውነቱን ደበይቲ ጸጋኡን ኣይንኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
16 መጋቢት 2025 | መጋቢት 6, 2016 ግዕዝ (መበል 27 ሰንበት: ቊ.፳፯/27) |
||
ምስባክ መዝ.፮፡፪-፫“ተሣሃለኒ እግዚኦ እስመ ድውይ አነ።ወፈውሰኒ እስመ ተሀውካ አዕፅምትየ።ነፍሥየኒ ተሀውከት ፈድፋደ።” ዓዲ፡ መዝ ፵(፵፩)፡፫,፬“እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ። ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቤሁ እምደዌሁ። አንስ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 12፡11-17 |
ዲያቆን |
|
ያእ 5፡14-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 3፡1-12 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 5፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ | መዝሙር፦ ኣምላኩሰ ለአዳም |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ