“ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ (ዝዀነ) ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት (ኣተንስኦ)። (ኣምላኽ ሰላም) ብኢየሱስ ክርስቶስ (ገይሩ) ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍቓዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።” እብ 13፡20-21።
"ሓጢኣት የብልናን’ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣለና፡ እታ ሓቂ’ውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና ግና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ’ውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን’ዩ።” 1ዮሃ 1፡8,9
“እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።” ግብ 3፡19,20
“ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ ‘ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ከፊቱልካ’ዩ’ሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧’ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ነብዪ እዩ’ በለ። ..... ሽዑ ነቲ ዕዉር (ዝነበረ) ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፡ ‘እዚ ሰብኣይ’ዚ ሓጥእ ምዃኑ፡ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡’ በልዎ።” ዮሃ 9፡17,25።
“ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና’ሞ፡ ሓደ’ኳ ብቓል ዘይስሕት (ሰብ) እንተ’ሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጒም ዚከኣሎ፡ ብቑዕ ሰብ’ዩ። .......ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ’ኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአት’ያ።” ያእ 3፡2,8።
“ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር (ኣቦይ) የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ (ኣቦይ) የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ ሳላ’ቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም።” ዮሃ 15፡2,3።
“ኣሕዋተየ፡ በበይኑ (ዝዓይነቱ) ፈተና ኺበጽሓኩም ከሎ፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ።”ያእ 1፡2 ካ.ት።
“ጸዊዖም ድማ፡ ብስም ኢየሱስ ንሓደ’ኳ (ወንጌል) ከይነግሩ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ ‘ንሕናስ ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን’ዩ’ሞ፡ ካብ ንኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ’ በልዎም።” ግብ 4፡18-20
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ