“ኣብ’ታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ ኢየሱስ’ውን ኣብኡ ነበረት። ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብ’ቲ መርዓ ተዓደመ።” ዮሃ 2፡1-2
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮን ኻልኣይ ሰንበት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ እቲ ኣብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ ዝፈጸሞ ቐዳማይ ተኣምራት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚዝከረሉ ቕንያት’ዩ። ጐይታና ዝገበሮም በብዓይነቶም ተኣምራት ብዛዕባ ንጹር ኣስተርእዮ ዚህቡ፡ ናይ መለኮቱ መርኣያታት’ዮም። ንበዓለ ጥምቀት ስዒቡ ዝተሰርዐ እዚ ቐዳማይ ናይ ጐይታና ተኣምር ምዃኑ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ዘመነ ኣስተርእዮ ግሩምን ኣገዳስን መልእኽቲ’ዩ። እዛ ቐዳመይቲ ናይ ኣስተርእዮ ተኣምር’ዚኣ እትዝከረሉ ዕለት ጥሪ 12 (ጽባሕ በዓለ ጥምቀት)’ዩ። ካብ’ዚ ዕለት’ዚ (ካብ ጥሪ 12) ጀሚሩ ኽሳዕ ጥሪ 18 ዘሎ ዕለታት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “ሖረ ኢየሱስ” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር ሰንበት’ዚ፡ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ዮሃ 2፡1-12 መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ መዝሙር’ዩ። ኣብ ማእከል ኣህዛብ ተኣምርን መንክርን ኪገብር ናብ መርዓ ብሓጐስ ከምዝኣተወ፡ ኣብኡ ድማ ክብሩ ከም ዘርኣየ (ከም ዝገለጸ) ደቀ መዛሙርቱ’ውን ብእኡ ኸም ዝኣመኑ፡ ነቲ ኣጋንእ ክሳዕ ኣፉ ማይ ኪመልእዎ ከም ዝነገሮም፡ እቲ ኣቦ ዳስ ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ በረኸት ጥዒሙ ከም ዝተገረመ፡ እቲ በጃናን ተስፋናን ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ፡ ንማይ ናብ ወይኒ ከም ዝለወጦ፡ እቲ ጻዕዳ ዑፍ፡ ኣንበስ ንጉስ ዝዀነ ጐበዝ ወልድ ብማይ ከም ዝተጠምቀ ሰላም ከም ዝተዛረቦም ብዙሕ ከም ዘፍቀሮም ዚገልጽ ናይ ኣስተርእዮ መዝሙር’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል (ዮሃ 2፡1-12) ማእከላይ መልእኽቲ፡ እቲ ንማይ ናብ ወይኒ ምልዋጡ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ፦ “ኢየሱስ ነዚ ናይ መጀመርታ ተኣምራት’ዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብሩ ኸኣ ገለጸ (ኣስተርኣየ)፡ ደቀ መዛሙርቱ’ውን ብእኡ ኣመኑ።” ዚብል ቃል’ዩ ዘሎ (ዮሃ 2፡11)። ንሰማያትን ንምድርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ብቓሉ ብ “ይኹን” ጥራሕ ንዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ንማይ ናብ ወይኒ ምልዋጥ ኣዝዩ ኣዝዩ ንእሽቶ ተኣምር’ዩ። ናይ’ዛ ተኣምር’ዚኣ ዕላማኡ፡ መለኮታዊ ኽብሩ ከም ዚግለጽ ከም ዚረኣይ ምግባር፡ ብእኡ ኸኣ ንዅሎም ተዓዘብቱ ኣብኡ ዘለዎም እምነት ከም ዚዓብይ ምግባር’ዩ። እቲ ቐንዲ ሸቶን ዕላማን ናይ’ቲ መለኮታዊ ተግባር፡ በቶም ንእኡ ዜሰንይዎ ጐድናዊ ጒዳያት ኪዕብለኽ ወይ ኪዕብለል ኣይግባእን’ዩ። እቶም ሰብ ውራይ ሳላ’ዚ ተኣምር’ዚ ኻብ ዓብይ ውርደትን ሕፍረትን ምግልጋሎም ጽቡቕ ነገር’ዩ። ንኣና ንደቂ ሰብ፡ ተራ ናይ ዔላ ማይ ናብ ኣዝዩ ምኡዝ ወይኒ ተለዊጡ ምርኣይን ምስማዕን፡ ጥዑም ስማዕ፡ ግሩም ትርኢት’ውን’ዩ። ኪኖ’ዚ ሓሊፍካ፡ ናብቲ ዝተገልጸን ዝተጋህደን መንነት ናይ’ቲ ገባር ተኣምራት ክትሓስብን ከተስተውዕልን እንተ ዘይክኢልካ ግን፡ ናይ ሕውየት ተስፋ ኣብ ዘይብሉ መንፈሳዊ ዑረት ከም ዘለኻ ዚእምት ኣሰካፍን ኣስጋእን ድኻም’ዩ። እቲ ጐይታና ዘሕለፎ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዘመነ ኣስተርእዮን፡ እቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዓመት መጸ እትሰርዓልና ነቲ ናይ ጐይታና ዘመነ ኣስተርእዮ ዚውክል፡ ናይ ሒደት መዓልታት ዘመነ ኣስተርእዮን፡ ካብ መንፈሳዊ ዑረት ተናጊፍና፡ ኣዒንቲ ልቦናና ተኸፊቱ ካብ’ቲ እነንብቦ ቕዱሳት ጽሑፋትን ካብ’ቲ ዚስበኸልና ቓል ወንጌልን ብዛዕባ’ቲ ብስጋ ዝተገልጸ መለኮታዊ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እናዓበየ ዚኸይድ ንህይወትና ዜብርህን ዚመርሕን ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ምእንቲ ኽንሰንቕ ዝተሰርዐ’ዩ።
በረኸት ቃል ኪዳን ግን እንታይ’ዩ፧ ብመሰረቱኸ ዕላማ ቓል ኪዳን እንታይ’ዩ፧ እዚ ኣብ ውራይ መርዓ ዝተገብረ ቀዳማይን ፍሉይን ተኣምር፡ እቲ ቐንዲ ሓይሊ መልእኽቱ ኻብ ኣብ’ቲ ቓል ኪዳን ንላዕሊ ኣብ’ቲ ውራይ ናይ’ቲ መርዓ ዘድሃበ ኺመስል ይኽእል’ዩ። ምናልባት እቶም ሰብ ውራይን እቲ ዕዱም ህዝብን ቀንዲ ኣድህቦኦም ኣብ’ቲ ጽባቐን ድምቀትን ናይ’ቲ ዝተዳለወ ውራይ ኪኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ምኽንያቱ ንሕናን ባህልናን ናይ ከም’ዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ’ዚ ዓማዊል’ምበር፡ ኣጋይሽን ጓኖትን ኣይኰንናን። መጻምድቲ ኻብ ዝተመርጹሉን መርዓ ኻብ ዝተቘጽረሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ብዘሎ ኣድህቦናን ጻዕርናን እታ ዕለተ መርዓ ብኸመይ ማዕሪጋን ደሚቓን ትሓልፍ ጥራይ’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ህዝብታትን ባህልታትን ሓደ’ዩ። እዚ ውራይ ምጽባቑ ምምዕራጉ ዋላ ሓንቲ ጸገም የብሉን። ጽቡቕ’ዩ። በረኸት ናይ ቓል ኪዳን ግን ኣብ’ዛ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ውራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ናይ ዕድመ ምሉእ ሓዳር’ዩ ዚግለጽ። ጽቡቕ ውራይ፡ ናይ ግድን ጽቡቕ ሓዳር ኣይወልድን’ዩ። ስለ’ዚ ናይ ገዛእ ርእስና፡ ናይ ደቅና ዀነ ናይ ኣሕዋትና መርዓ ኺግበር ከሎ፡ እቲ ዝለዓለ ኣድህቦናን ተገዳስነትናን ኣብ’ቲ ድሕሪ ዕለተ መርዓ ዘሎ ሓዳርን ናብራን ኪኸውን ይግብኦ። ኣብ ዓለም ብሓፈሻ ዀነ፡ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ድማ ብፍሉይ ንዕዘቦ ኸም ዘለና ዕድመ ቓል-ኪዳን ናብ ኣዋርሕን ሰሙናትን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ ሒደት መዓልታት ይወርድ ኣሎ። መብዛሕትኡ ኻብ’ቲ ጸኒዑ ዘሎ ዚመስል ሓዳር’ውን ፍቕርን ምክብባርን ዘይብሉ፡ ዝሙት ዝበዝሐ እናዀነ፡ “ቃል ኪዳንን ሓዳርን” ኢልካ ኽትሰምዮ ዚኸብድን ዜጸግምን ይኸውን ኣሎ። ስለ’ዚ እታ ብምስጢር ተክሊል ስድራ ቤታት ትተክል ቤተ ክርስትያን፡ እቶም ደቆም ዜዋስቡ ዘለው ስድራ ቤት ኰነ፡ እቶም ተዋሰብቲ ኣካላቶ፡ ብኸመይ ጽቡቕ ውራይ ከም ዚሓልፍ ዘይኰነስ፡ “እቲ ሓዳር ብኸመይ ይጥዕይን ይጽብቕን፡ ብኸመይከ ነቲ እግዚኣብሄር ዚደልዮ ረቛሒታት የማልእ፧” ናብ ዚብል ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ኼተኵር’ዩ ዚግባእ።
ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ኣብ ገነት ነዚ በዅሪ ምስጢራት ኪሰርዕን ኬቝሞን ከሎ፡ ናቱ ዝዀነ መለኮታዊ ዕላማ ነይርዎ። ካብ’ታ ንሄዋን ኪፈጥር ዝመደበሉ ጊዜ ጀሚሩ ድማ፡ ነዚ ዕላማኡ’ዚ ገሊጽዎ’ዩ። ስለ’ዚ ተባዕታይ ኰነ ኣንስታይ ጾታ፡ ሰብ ዝዀነ ዅሉ ነዚ ዕላማታት’ዚ ኺፈልጦን ኪትግብሮን ተሓታትነት ዘለዎ ሓላፍነት ኣብ ዝባኑ ተነቢሩሉ ኣሎ። እቲ ዕላማታት ከኣ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ክንጠቕሶ ኢና።
2. ብቝዕ ደጋፊ ወይ ብቕዕቲ ደጋፊት ምዃን፦ ነዚ ዕላማ’ዚኣ እግዚኣብሄር ገና ሄዋን ከይተፈጥረት ከላ ዝገለጾ’ዩ። ኣዳም ንበይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኰይኑ ኣይተራእዮን። ስለ’ዚ ኻብ’ቲ ናቱ ዝተፈልየ ጾታ ዘለዋ ብጸይቲ ኺገብረሉ ወሰነ። ስለ’ዚ ድማ “ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ’የ። ብምባል፡ ንሄዋን ካብ ኣዳም ፈጠራ (ዘፍ 2፡18)። እዚ ዚገብር ዘሎ ኸኣ ገና ኣብ ገነት ከለው፡ እቲ ንሰብ ዜድክም ሓጢኣት ገና ኸይተፈጸመ ኸሎ’ዩ። እታ ዚነብሩላ ዝነበሩ ገነት ድማ፡ ስፍራ ዕረፍትን በረኸትን’ምበር ዝዀነ ጸገም ዘይነበራ’ያ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ቦታ ኵነታትን ኴንካ፡ ብቕዕቲ ወይ ብቑዕ ደጋፊ ዜድልይ ካብ ኰነ፡ ሓጢኣት ኣብ ዝበዝሓ ውድቕቲ ዓለም ክትነብር ከለኻኸ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ምድግጋፍ ኬድልይ’ዩ። እግዚኣብሄር ብጊዜን ብዅነታትን ዘይድረት ፈላጥ-ኵሉ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ገና ውድቀት ከይተኸስተ ኸሎ ነዚ ናይ ምድግጋፍ ኣድላይነት ስለ ዝፈለጦ ንምስጢረ ተክሊል ኣቐዲሙ መስረቶ። እዚ ዕላማ’ዚ ዝዀነ ይኹን ናብ ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ዝበጽሐ ውልቀ ሰብ ኪፈልጦ ዚግባእ’ዩ። ምድጋፍ ዜድልዮ፡ እቲ ጕድለትን ድኻምን ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ገና ኽትዋሰብ ኢልካ ኽትሓስብ ከለኻ፡ ተልእኾ ናይ ህይወትካ እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጦ ይግባእ። ዓይነት ናይ’ቲ ኽትድግፎ ዜድልየካ ጕድለትን ድኻምን ኣነጺርካ እንተ ዘይፈለጥካ’ኳ፡ እቲ ጕድለትን ድኻምን ድሮ ኸም ዘሎ ግን ርግጸኛ ኽትከውን’ዩ ዚግባእ። ስለ’ዚ ንዅሉ ኣብ ከማኻ ሰብ ዘሎ ድኻምን ጕድለትን ክትጸውር ኰነ ኽትድግፍ ዜኽእለካ ብቕዓት ከተጥርይ ናይ መውስቦ ግዴታኻ’ዩ። ድሕሪ መውስቦ ኻብ መጻምድትኻ ጕድለትን ድኻምን ኪኽሰት ከሎ፡ ድሮ ፈሊጥካዮስ ተዳሊኻሉ ስለ ዝጸናሕካ፡ ነቲ ናይ ምድጋፍ መውስቦኣዊ ተልእኾኻ ተሓጕስካ ክትትግብር ትጅምር ማለት’ዩ። ንኽትድግፍ ተዋሲብካ ኸተብቅዕ፡ ደገፍካ ዚጠልብ ጸገም ምስ ተኸስተ፡ ናብ ምርረትን ናብ ዕግርግርን ትኣትው እንተ ዄንካ ግን ከቢድ መንፈሳውን ቅልውላው ከም ዘሎካ ዜረድእ’ዩ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ዘይግቡእ መንፈሳዊ ግብረ-መልሲ፡ ናይ ጥልመት ባህርይ’ዩ። ዋላ ብግህዶ ቓል ኪዳንካ ኣይተፍርስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድኻም ዝተገልጸሉ ዅነታት፡ ንእሽቶ ጥልመት ይካየድ ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ንኣሽቱ ጥልመታት ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ እናዓበየን እናኸበደን እናበዝሐን ምስ ከደ’ዩ፡ ናብ ግሁድ ፍትሕ ዚብጻሕ። ክዳውንቲ ምሕጻብ ዝሰርሑ ሰብ፡ ዝረስሐ ዝተበላሸወ ኽዳውንቲ ኺመጾ ኸሎ ኬንጸርጽርን ብዙሕን ውሑድን ኪዛረብ፡ ወይ’ውን “ኣይሓጽብን’የ” ኺብል ይግብኦዶ፧ ከምኡ እንተ ገበረ፡ መልእኽቲ ናይ’ቲ ተግባሩ፡ “ኣነ ኣድላዪ ኣይኰንኩን፡ ነዚ ስራሕ’ዚ ብቑዕ ኣይኰንኩን” ዚብል’ዩ ዚኸውን ኣብ ሓዳር ምስ ተጸምደ ብናይ መጻምድቱ ድኻም ዜንጸርጽርን ዘይተደላዪ ኻልእ ግብረ መልሲ ዚህብን ሰብ ድማ፡ “ኣነ ንመውስቦ ኣይበቅዕን’የ፡ ኣብ ምርጫ ተጋጊኹም ዘይበቅዕ ሰብ ኢኹም መሪጽኩም” ዚብል መልእኽቲ’ዩ ዜመሓላልፍ፡ እዚ መልእኽቲ’ዚ ድማ ናብ መዋስብትኻ ጥራሕ ዘይኰነ ናብ ኣምላኽ’ውን ይመሓላለፍ ከም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግባእ። ገሌና ክንጽወርን ክንድገፍን ደሊና ብበለጻዊ ስምዒት ኢና ’ንዋሰብ። እዚ በለጻውነት’ዚ ነቲ ሓዳርና ገና ኺምሰረት ከሎ ጀሚሩ ኸም ነቓዕ መንደቕን ህንጻን ዚገብሮ’ዩ።
ስለ’ዚ ገና መርዓ ኺሕሰብ ከሎ ጀሚሩ፡ እቲ ዚዋሰብ ውልቀ ሰብ፡ እቲ ዜዋስብ ስድራ ቤት ኰነ እታ እተዋስብ ቤተ ክርስትያን ኣገልገልታን፡ ብዛዕባ’ዚ መዋስብትኻ ናይ ምድጋፍን ናይ ምጻርን ዕላማ፡ ትምህርትን ምዕዶን ስልጠናን ብምሃብ ንጽንዓት ናይ’ቲ ዚምስረት ሓዳር ሓቢሮም ኪሰርሑ ይግባእ። ምኽንያቱ ንኣምላኽ ዜኽብር፡ ንተጻምድቲ ዀነ ነቲ ስድራ ቤትን ሕብረተ-ሰብን ዜርብሕ በረኸት ናይ ቃል ኪዳን፡ እቲ ተደጋጊፍካ ብሰላምን ብፍቕርን እትነብሮ ሓዳርን ናብራን’ዩ። ገንዘብና፡ ጕልበትና ዀነ ጊዜና፡ ሓዳር ናብ ዜጽንዕ ተግባር ከነውዕሎ ብልህነት’ዩ።
1. ብመሰረቱ ምእንቲ ርእስኻ ዘይኰነ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ምውሳብ፦
እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ ንሓዳር ከም ሓደ ስጋዊ ትካል ገይሩ ንዚርእዮ፡ መንፈሳዊ ብርሃን ንዘይብሉ ሰብ፡ “ስለምንታይ’የ’ሞ፡ ንኣምላኽ ኢለ ሓዳር ዝምስርት፧” ዚብል መንፈሳዊ ብስለት ዝጐደሎ ሕቶ እናተገረመ ኸም ዚሓትት ኪገብሮ ይኽእል’ዩ። ኣምላኽ ብዝፈጠረልካ ኣካላት፡ ብዝሰዅዓልካ ህይወት፡ ብዝሰርዓልካ ተክሊል ትዋሰብ እናሃለኻ፡ ኣብ ምምስራት ሓዳርካ ንኣምላኽ ተርሕቖን ተጓንዮን እንተ’ሊኻ፡ መንፈሳዊ ጥራሕ ዘይኰነ ኣእምራዊ ጥዕናኻ’ውን ኣብ ኣሰካፊ ሃለዋት ከም ዘሎ’ዩ ዜመልክት። ቅዱስ ጳውሎስ፦ “ኣምላኽ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ (ሰብ) ዚህብ’ዩ ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና (ብህይወት ንነብር) ዘለና’ሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ።” ኸም ዝበለ፡ ብእኡ እናተናበርካስ፡ ንእኡ ኢልካ ዘይምግባርን ዘይምንባርን፡ ብዘይካ ህላውነት ኣምላኽ ዘይፈልጥን ዘይኣምንን ኣረማዊ ሰብ፡ ብኣምላኽ ዚኣምን ክርስትያን ሰብ ኪፍጽሞ ዘይግባእ ጥልመታዊ ተግባር’ዩ (ግብ 17፡25-28)። ኣብ ርእሲ’ዚ ዝተጠቕሰ መንፈሳዊ ሓቂ፦
“ካባናስ ሓደ’ኳ ንርእሱ ኢሉ ዚነብር የልቦን’ሞ፡ ንርእሱ ኢሉ ዚመውት ከኣ ሓደ’ኳ የልቦን። ብህይወይ እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና ‘ንነብር፡ ወይስ እንተ’ሞትና ንጐይታ ኢና ‘ንመውት’ሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና።”
“ድሕሪ ሕጂ እቶም (ብህይወት) ዘለው ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን’ምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ኵላቶም ሞተ።” ዚብል ብርሃን ዚህብ ሃዋርያዊ ቓል’ውን ተዋሂቡና ኣሎ (ሮሜ 14፡7,8 ፣ 2ቈረ 5፡15)። እምበኣኣር ናብ’ዚ መሰረታዊ ኣርእስትና ኽንምለስ፡ ምውሳብ ኰነ ምውላድ’ውን ንኣምላኽ ኢልካ’ምበር፡ ንርእስኻ ኢልካ ኺግበር ዘይግብኦ’ዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ሓሳብ ኣዝዩ ዜጕልሖን ዜብርሆን ካልእ ሃዋርያዊ ትእዛዝ’ውን ተዋሂቡና ኣሎ።
“እምበኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰተኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።” 1ቈረ 10፡31
ኣብ’ዚ “ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም” ዚብል ሓረግ ዘይሕቈፍ ዝዀነ ይኹን ናይ ሰብ ተግባር የለን። እዚ ዝዀነ ዓይነት እንስሳ’ኳ ዚገብሮ ናይ ምብላዕን ምስታይን ተራ ስጋዊ ንጥፈት፡ ንኸስዐኻን ንርእስኻን ኢልካ ዘይኰነስ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ ጥራሕ ኪግበር ካብ ተገብኦ፡ እቲ ብኣምላኽ ዝተሰርዐን ዝተኣዘዘን መንፈሳዊ ተግባራትከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ናይ ግድን ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ኽንገብሮ ዘይግብኣና!! “ተክሊል፡ መውስቦ፡ ቃል ኪዳን፡ ሓዳር” ዝደለና ኻልእ ስም’ውን እንተ ሃብናዮ ብዘየገድስ፡ ምሉእ ብምሉእ (100%) መንፈሳዊ ተግባር’ዩ። “ምስጢረ ተክሊል” ሓደ ኻብ’ቶም ንመሰረተ እምነትና ዘቘሙ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን’ዩ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ብፍሉይን ክቡርን ኣገባብ ዚትግበር ምስጢር’ዩ። እዚ ዅሉ’ዚ፡ መውስቦን ሓዳርን ምሉእ ብምሉእ መንፈሳዊ ተግባር ምዃኑ ዜረጋግጸልና’ዩ። ቃል ኪዳን፡ ጾታዊ ርክብ ምግባርን ብምውላድ ምብዛሕን ማለት ኣይኰነን። እዚ’ሞ ዝዀነ በሃም እንስሳ ዚፍጽሞ ተግባር’ዩ። እንስሳ፡ ቃል ኪዳን፡ መውስቦ፡ ሓዳር ኣይፍጽምን’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ብተክልል ዚፍጸም ቃል ኪዳንን መውስቦን ምስ ናይ እንስሳ ተራ ስጋዊ ርክብ ምምስሳል፡ ነቲ ተክሊል ዝሰርዐ ኣምላኽን፡ ነቶም ብምስጢረ ተክሊል ብቓል ኪዳን እንዋሰብ ደቂ ሰባትን፡ ከምኡ’ውን ንባዕሉ ነቲ ኽቡር ምስጢር ምቅላልን ምውራድን’ዩ። ነዚ ኣምላኽ ዝሰርዖን ዘኽበሮን ምስጢር’ዚ፡ ምእንቲ ኣምላኽ’ምበር፡ ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ ኺግበር፡ ፈጺሙ ኣይምጥኖን’ዩ።
ዋላ’ቲ ብመውስቦ ምውላድ’ውን ምእንትኡን ንእኡን ኢልና ኽንገብሮ ዚግብኣና ምዃኑ ብነብያቱ ገይሩ ገሊጹልና’ዩ። እስራኤላውያን ንኣምላኽ ካብ ምስዓብ ተዛሒጦም ደድሕሪ ጥኦታት ናይ ኣህዛብ ኪስዕቡ ምስ ጀመሩ፡ ንደቆም እናሓረዱ መስዋእቲ ይገብርዎም ነበሩ። ከምኡ ድማ ብፍትሕ ንሰብ ኪዳኖም ይጠልሙ ስለ ዝነበሩ፡ እግዚኣብሄር መውስቦ ዝሰርዓሉ ዓላማ ብምግላጽ ከም’ዚ እናበለ ተዛረቦም።
“እግዚኣብሄር ሓደ ኣካልን ሓደ መንፈስንዶ ኣይገበረኩምን’ዩ፧ ስለ ምንታየከ ነዚ ገበሮ፧ ናይ ብሓቂ ህዝቢ (ናይ) እግዚኣብሄር ዝዀኑ ደቂ ምእንቲ ኽትወልዱ ኢሉ’ዩ (ዘርኢ ኣምላኽ ክትወልዱ ስለ ዝደለየ’ዩ)። እምበኣርሲ ገዛእ ርእስኹም ሓልው፡ ነታ (ብዓልቲ) ቓል ኪዳኑ ሓደ’ኳ ኣይጥለም፡ ምፍታሕ (ፍትሕ) እጸልእ’የ። እወ ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ኺዳኑ ኸም’ዚ ዝበለ (ናይ ፍትሕ) ዓመጽ ንዜምጽእ ሰብ እጸልኦ’የ። ስለ’ዚ ንበዓልቲ ቓል ኪዳንኩም ከይትጠልምዋ ገዛእ ርእስኹም ሓልው።” ሚል 2፡15,16 ካ.ት
“ንኣይ ምኽሓድ ውሒዱክስ፡ ነቶም ንኣይ ዝወለድኽዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ንጣኦታት ምግቢ ምእንቲ ኪዀንዎም ሰዋእክዮም። እወ፡ ንደቀይ ሓሪድኪ ንጣኦታት ሰዋእክዮም።” ህዝ 16፡20,21 ካ.ት
ካብ’ዚ ቕዱስ ቃል’ዚ ኸም ‘ንርድኦ’ምበር፡ ንርእስና ኢልና ኽንወልድ’ውን ኣይተሰርዓልናን። ዋንነት ናይ’ቶም እንወልዶም ደቂ ድማ፡ ናይ እግዚኣብሄር ጥራሕ’ዩ። ደቅና ናትና ዘይኰኑስ እግዚኣብሄር ኣብ ሕቝፍና ዘማዕቈበና ኣብ ትሕቲ ጽላል ጕስነትና ዘንበሮም ንብረት ሕድሪ’ዮም። ከም’ቲ ነቶም መክሊት ብሕድሪ ዝሃቦም ኣገልገልቱ ዝተጸባጸቦም፡ ንዅላትና’ውን ብዛዕባ’ቶም ብሕድሪ ዘረከበና ደቁ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ብዝርዝር በብስሞም ጸብጻብ ኪሓትተና’ዩ። እቲ ሕቶ ግን፡ “ኣበይ ኣምሂርካዮ፡ እንታይ ከዲንካያ፡ እንታይ መጊብካዮም” ኣይኰነን። ምእንቲ መን ኢኻ ወሊድካዮምን ኣዕቢኻዮምን፡ ደቀይ ከም ዚዀኑ ጌርካ ብመንፈሳውነትዶ ሃኒጽካዮም፧’ዩ ኪኸውን። ንሕናን ኵሉ ዘርእናን ብሓባር ስለ ‘ንቐርብ፡ እቲ ጕዳይ ምርመራ ዘይሓትት ግሁድ’ዩ ኪኸውን። ንሓዳር ብኸም’ዚ ዝበለ ንኣምላኽ ዜኽብር፡ ንርእስናን ንደቅናን ድማ ብዜርብሕ ኣገባብ እንተ’መሓደርናዮ፡ ናይ ብሓቂ ነቲ ናይ ቃል ኪዳን በረኸት ከም ዝረኸብናዮ፡ ኣብ ልዕሌና’ውን ከም ዝዓሰለ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ካብ’ዚ ወጻኢ፡ ኣብ ውራይና ዀነ ኣብ ሓዳርና ንበረኸት ቃል ኪዳን ብንበልዖን ብንሰትዮን ብንኽደኖን ብነጥርዮ ንብረትን እንተ ለኪዕናዮ ግን መንፈሳዊ ብስለት ከምዚ ጐድለና፡ ገና’ውን ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ከም ዘለና ዜረጋግጽ ኣሰካፍን ኣስጋእን ምልክት’ዩ።
3. ንሓዳርካን ንቤትካን ቤተ ክርስትያን ከም ‘ትኸውን ጌርካ ምህናጽ፦ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ኣብ ሓዳር ኪህልወና ዚግብኦ ናይ ናብራ ዓይነት ኪምዕድን ኬስተምህርን ከሎ፡ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎን ኣማእዛንን ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ።
“ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። . . . ከም’ቲ ቤተ ክርስትያን ንክርስቶስ እትእዘዞ ኸምኡ ድማ ኣንስቲ ሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም። ኣቱም ሰብኡት፡ ከም’ቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያን . . . ኣብ ክንድኣ ገዛእ ርእሱ በጃ ኽሳዕ ምሃብ ዘፍቀራ፡ ነንስትኹም’ውን (ከምኡ ጌርኩም) ኣፍቅርወን። ከምኡ ኸኣ ኣቱም ሰብኡት ነተን ኣንስትኹም ከም ገዛእ ሰብነትኩም ጌርኩም ኣፍቅርወን። እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ገዛእ ርእሱ’ዩ ዜፍቅር፡ ከም’ቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ዚከናኸና፡ (ከምኡ ድማ) ሰብ ንገዛእ ሰብነቱ (ንመጻምድቱ) ይምግቦን ይከናኸኖን’ምበር ገዛእ ሰብነቱ ዚጸልእ ሓደ’ኳ የልቦን። . . . እዚ (ምስጢረ ተክሊል’ዚ) ዓሚቝ’ዩ፡ ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተ ክርስትያኑን እምስሎ ኣለኹ። ስለ’ዚ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ ሰበይቲ’ውን ንሰብኣያ ተኽብሮ።” ኤፌ 5፡21-33።
እዚ ሃዋርያዊ መግለጺ’ዚ ናይ መውስቦ መንፈሳውነት ማዕረ ኽንደይ ዓብይን ዓሚቝን ምዃኑ ዜመልክተና’ዩ። ናይ’ዚ መረጋገጺ ኸኣ፡ በቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ዝምድና ዚግለጽ ምዃኑን ምስኡ ምንጽጻሩን’ዩ። ስለ’ዚ ዝዀነ ይኹን ሓዳር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ዝምድና ዚመስል እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስ ሓዳር ኪቝጸር ኣይክእልን’ዩ። መስመሩ ዝሰሓተ፡ ካብ ሓዲዱ ዝወጸ፡ እንስሳዊ ሓዳርን መውስቦን’ዩ። ኣብ’ታ ሓዳሮም፡ እቲ ሰብኣይ ንክርስቶስ፡ እታ ሰበይቲ ድማ ንቤተ ክርስትያን እንተ ዘይመሲሎም፡ ካብ’ቲ እግዚኣብሄር ንቓል ኪዳን ዝመደቦን ዝሃቦን በረኸት ርሒቖም ይነብሩ ኸም ዘለዉ ርጉጽ ሓቂ’ዩ። ተፋቒርካን ተሰማሚዕካን ምንባርካ ጥራሕ፡ እቲ ሓዳርካ ነቲ ናይ ክርስቶስ መሲሉ ማለት ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ ምንዝርናዊ ፍቕሪ፡ ናይ ረብሓ ፍቕሪ’ውን ብሓደ ኺጠምረካ ይኽእል’ዩ። ጥዕና ዘለዎ፡ ኣምላኽ ዜኽብሮን ነቲ ናይ ክርስቶስ ዚመስል ፍቕሪ እንተ’ሎና ጥራሕ’ዩ፡ ናይ ብሓቂ ጥዑይ ሓዳር ዚኸውን። ፍረ ናይ’ቲ ንናይ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያን ዝምድና ዚመስል ሓዳር፡ ጽድቂ ጥራሕ’ዩ። ካብኡ ዝተፈልየ ሓዳር ግን፡ ብዘይካ ሓጢኣት፡ ካልእ ዚሓይሽ ፍረ ኺህልዎ ኣይክእልን’ዩ።
ኣብ’ዚ ንክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ዚመስል ሓዳር፡ እታ ሰበይቲ ንብዓል ቤታ ከም ክርስቶስ ገይራ’ያ እትርእዮ። ክትእዘዞ ኸላ ድማ፡ ከም’ታ ንክርስቶስ እትእዘዞ ገይራ’ያ ‘ትእዘዞን ‘ተኽብሮን። ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ትእዛዝ’ዚ እንተ ጐደለት፡ ንምስሊ ናይ ሓደራ ትድውኖን ተበላሽዎን ኣላ ማለት’ዩ። ብመሰረቱ ንክርስቶስ ዘይትፈልጦን ዘይተፍቅሮን ዘይትእዘዞን እንተ ዀይና ግን፡ ንሰብኣያ በየናይ ኣርኣያ ኽትእዘዞ ትኽእል፧ እግዚኣብሄር ዜኽብሮን ዚጻምዎን ሓዳር ኪህልዋ እትደልይ ብልህን ለባምን ሰበይቲ፡ ቅድሚ መውስቦ ዀነ ድሕሪ መውስቦ፡ ንክርስቶስ ብምእዛዛ ዝተመስከረላ ሰብ ክትከውን ይግብኣ። ካብ ንክርስቶስ ምእዛዝ፡ ንከማኻ ድኹም ሰብ ምእዛዝ ኣዝዩ ኸም ዚኸብድ ኣይንዘንግዕ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ኣበር ዘይብሉ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን’ዩ። እቲ መጻምድቲ ግን ካብ ናትካ ዘይውሕድ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ዝመልኦ’ዩ። እዚ ድኻሙ’ዚ ድማ ንኽትደፍሮ ንኽትግህሶ’ምበር፡ ንኽትእዘዞ ዚዕድም ኣይኰነን። ስለ’ዚ ነዚ ዓጋቲ ባህርዩ’ዚ ሰጊርካ ከም ንተራ ሰብ ዘይኰነስ፡ ከም ንክርስቶስ ጌርካ ንኽትእዘዞ፡ ዕዙዝ ጸጋን ልዑል መንፈሳውነትን ዚጠልብ’ዩ። እዚ ሃዋርያዊ ትእዛዝ’ዚ ግን ናብ ምርጫን ናብ ዋጋ ዕዳጋን ዚኣትው ስለ ዘይኰነ፡ ሓዳርና ናይ ብሓቂ ሓዳር ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ኣንስቲ ነቲ ድኹም ብዓል ኪዳነን ከም ንክርስቶስ ገይረን ብፍቕርን ብሓጐስን ኪእዘዛ ኪዳናዊ ሓላፍነተን’ዩ።
ካብ ናይ’ታ ሰበይቲ ግን ናይ’ቲ ሰብኣይ ሓላፍነት እምብዛ ዝዓበየን ዝኸበደን’ዩ፡ ምኽንያቱ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ዝገበሮ፡ ካብ’ቲ ንሳ ንእኡ ዝገበረትሉ እምብዛ ዝዓበየ’ዩ። ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ቅድስትን ፍጽምትን ምእንቲ ኺገብራ፡ ህይወቱ በጃ ዘሕለፈ ኣርኣያና’ዩ። “ቅድስትን ፍጽምትን ኩኒ” ኢሉ ኺእዝዝ ዘይኰነስ፡ ንእኣ ፍጽምቲ ምእንቲ ኺገብር፡ ናይ ህይወት መስዋእቲ ኽሳዕ ምኽፋል በጽሐ። ነዚ ዅሉ ኺገብር ዘኽኣሎ ኸኣ እቲ ንእኣ ዝነበሮ መጠን ዘይብሉ ፍቕሪ’ዩ። ነዚ ኸይገበረ፡ ምስልን ኣርኣያን ናይ ክርስቶስ ከይለበሰ፡ “ብዓል ሓዳር’የ፡ ሰብኣይ’የ፡ ርእሲ ሰበይተይ’የ” ዚብል ሰብኣይ ድማ፡ ነቲ ወኪልዎ ዘሎ ኢየሱስ ዜዋርድ፡ ንዝኣተዎ ኺዳን ዜራኽስ ጠላሚ ሰብ’ዩ። ብዓልቲ ቤቱ ስለ ዝጐደለት ዜዋርዳ፡ ዚሃርማ፡ ዚጸልኣ፡ ዚፈትሓ ብዓል ኪዳን፡ ንሱ ናይ በደላ በጃ ኣብ ክንዲ ዚኸውን፡ ንእኣ በጃ በደላን ድኻማን ዚገብራ ንኣርኣያ ናይ ክርስቶስ ዝፈንፈነ፡ ክርስትያን ዚመስል ኣረሚን ሰብ’ዩ። እቲ ኣብ ሓዳሩ ጸገም ብዘጓነፈ መጠን፡ “ክርስቶስ ዝገበሮ’ሞ፡ ኣነ ኽስዕቦ ዘለኒ ኣርኣያ እንታይ’ዩ፧” እናብለ ምስሊ ኣርኣያ ክርስቶስ ኪለብስን ክርስቶሳዊ ባህርይ ኪለብስን ኬንጸባርቕን ዚጋደል ኪዳናዊ ብዓል ቤት፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣት ጐይታ፡ በቲ ክርስቶስ ዝኸበረሉ ኽብሪ ኪኸብር’ዩ። እቲ ገባሪ በረኸት ናይ ቃል ኪዳን ድማ እዚ’ዩ። ብቝዓት ደገፍቲ ምዃን፡ ምእንቲ ክርስቶስን ኢልካ ምውሳብን ምውላድን፡ ኣብ ሓዳርካድማ ዝምድና ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ዚመስል ዝምድና ምህናጽ፡ ሰብን ኣምላኽን ዜኽብርዎ ሰይጣን ስፍራ ዚስእነሉ ፍጹም ሓዳር’ዩ።
እምበኣር ብመንጽር’ዚ ሓቂ’ዚ ህይወትናን ናብራናን ንመርምር፡ እቶም ተዋሲብናስ ድሮ ኣብ ሓዳር ዘለና፡ ዝሓለፈ ጕድለትና ብንስሓ ኣሪምና፡ ናብ’ቲ ኣምላኽ ዝመደበልና ደረጃ ንዕበይ። እቶም ገና ናብኡ ዘይበጻሕና ኸኣ፡ በዚ ዝተገልጸልና ምስጢር መውስቦ ርእስና ንዕውት ሓዳር ነዳልው። ካብ ስጋውን ላዕላውን (superficial) መለክዒ በረኸት ወጺእና፡ በቲ ሓቀኛን ነባርን በረኸት ናይ ቃል ኪዳን ንማእዘን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
26 ጥሪ (ጥር) 2024 | ጥሪ 18, 2016 ግዕዝ (መበል 20 ሰንበት: ቊ.፳/20) |
||
ምስባክ መዝ. ፹፫(፹፬)፡፮,፯ “እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሐውር አምኃይል ውስተ ኃይል። ወያስተርኢ አምላከ አማልክት በጽዮን።” “ብለሰ ብኽያት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፡ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 2፡1-11 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 5፡1-13 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 10፡30-39 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 2፡1-11 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ሖረ ኢየሱስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ