S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት። ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብ መርዓ ተዓደመ።ዮሃ 21-2

 እንሆ ዕለት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮን ኻልኣይ ሰንበትዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ እቲ ኣብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ ዝፈጸሞ ቐዳማይ ተኣምራት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚዝከረሉ ቕንያትዩ። ጐይታና ዝገበሮም በብዓይነቶም ተኣምራት ብዛዕባ ንጹር ኣስተርእዮ ዚህቡ፡ ናይ መለኮቱ መርኣያታትዮም። ንበዓለ ጥምቀት ስዒቡ ዝተሰርዐ እዚ ቐዳማይ ናይ ጐይታና ተኣምር ምዃኑ፡ ብዛዕባ ኣቲናዮ ዘለና ዘመነ ኣስተርእዮ ግሩምን ኣገዳስን መልእኽቲዩ። እዛ ቐዳመይቲ ናይ ኣስተርእዮ ተኣምርዚኣ እትዝከረሉ ዕለት ጥሪ 12 (ጽባሕ በዓለ ጥምቀት)’ዩ። ካብ ዕለት (ካብ ጥሪ 12) ጀሚሩ ኽሳዕ ጥሪ 18 ዘሎ ዕለታት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ሖረ ኢየሱስዘርእስቱዩ። እዚ መዝሙር ሰንበትዚ፡ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ዮሃ 21-12 መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ መዝሙርዩ። ኣብ ማእከል ኣህዛብ ተኣምርን መንክርን ኪገብር ናብ መርዓ ብሓጐስ ከምዝኣተወ፡ ኣብኡ ድማ ክብሩ ከም ዘርኣየ (ከም ዝገለጸ) ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኸም ዝኣመኑ፡ ነቲ ኣጋንእ ክሳዕ ኣፉ ማይ ኪመልእዎ ከም ዝነገሮም፡ እቲ ኣቦ ዳስ ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ በረኸት ጥዒሙ ከም ዝተገረመ፡ እቲ በጃናን ተስፋናን ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ፡ ንማይ ናብ ወይኒ ከም ዝለወጦ፡ እቲ ጻዕዳ ዑፍ፡ ኣንበስ ንጉስ ዝዀነ ጐበዝ ወልድ ብማይ ከም ዝተጠምቀ ሰላም ከም ዝተዛረቦም ብዙሕ ከም ዘፍቀሮም ዚገልጽ ናይ ኣስተርእዮ መዝሙርዩ። ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል (ዮሃ 21-12) ማእከላይ መልእኽቲ፡ እቲ ንማይ ናብ ወይኒ ምልዋጡ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ፦ ኢየሱስ ነዚ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብሩ ኸኣ ገለጸ (ኣስተርኣየ) ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ።” ዚብል ቃል ዘሎ (ዮሃ 211) ንሰማያትን ንምድርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ብቓሉ ይኹንጥራሕ ንዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ንማይ ናብ ወይኒ ምልዋጥ ኣዝዩ ኣዝዩ ንእሽቶ ተኣምርዩ። ናይ ተኣምርዚኣ ዕላማኡ፡ መለኮታዊ ኽብሩ ከም ዚግለጽ ከም ዚረኣይ ምግባር፡ ብእኡ ኸኣ ንዅሎም ተዓዘብቱ ኣብኡ ዘለዎም እምነት ከም ዚዓብይ ምግባርዩ። እቲ ቐንዲ ሸቶን ዕላማን ናይ መለኮታዊ ተግባር፡ በቶም ንእኡ ዜሰንይዎ ጐድናዊ ጒዳያት ኪዕብለኽ ወይ ኪዕብለል ኣይግባእንዩ። እቶም ሰብ ውራይ ሳላ ተኣምር ኻብ ዓብይ ውርደትን ሕፍረትን ምግልጋሎም ጽቡቕ ነገርዩ። ንኣና ንደቂ ሰብ፡ ተራ ናይ ዔላ ማይ ናብ ኣዝዩ ምኡዝ ወይኒ ተለዊጡ ምርኣይን ምስማዕን፡ ጥዑም ስማዕ፡ ግሩም ትርኢትውንዩ። ኪኖ ሓሊፍካ፡ ናብቲ ዝተገልጸን ዝተጋህደን መንነት ናይ ገባር ተኣምራት ክትሓስብን ከተስተውዕልን እንተ ዘይክኢልካ ግን፡ ናይ ሕውየት ተስፋ ኣብ ዘይብሉ መንፈሳዊ ዑረት ከም ዘለኻ ዚእምት ኣሰካፍን ኣስጋእን ድኻምዩ። እቲ ጐይታና ዘሕለፎ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዘመነ ኣስተርእዮን፡ እቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዓመት መጸ እትሰርዓልና ነቲ ናይ ጐይታና ዘመነ ኣስተርእዮ ዚውክል፡ ናይ ሒደት መዓልታት ዘመነ ኣስተርእዮን፡ ካብ መንፈሳዊ ዑረት ተናጊፍና፡ ኣዒንቲ ልቦናና ተኸፊቱ ካብ እነንብቦ ቕዱሳት ጽሑፋትን ካብ ዚስበኸልና ቓል ወንጌልን ብዛዕባ ብስጋ ዝተገልጸ መለኮታዊ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እናዓበየ ዚኸይድ ንህይወትና ዜብርህን ዚመርሕን ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ምእንቲ ኽንሰንቕ ዝተሰርዐዩ።

በረኸት ቃል ኪዳን ግን እንታይዩ፧ ብመሰረቱኸ ዕላማ ቓል ኪዳን እንታይዩ፧ እዚ ኣብ ውራይ መርዓ ዝተገብረ ቀዳማይን ፍሉይን ተኣምር፡ እቲ ቐንዲ ሓይሊ መልእኽቱ ኻብ ኣብ ቓል ኪዳን ንላዕሊ ኣብ ውራይ ናይ መርዓ ዘድሃበ ኺመስል ይኽእልዩ። ምናልባት እቶም ሰብ ውራይን እቲ ዕዱም ህዝብን ቀንዲ ኣድህቦኦም ኣብ ጽባቐን ድምቀትን ናይ ዝተዳለወ ውራይ ኪኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ምኽንያቱ ንሕናን ባህልናን ናይ ከም ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ዓማዊልምበር፡ ኣጋይሽን ጓኖትን ኣይኰንናን። መጻምድቲ ኻብ ዝተመርጹሉን መርዓ ኻብ ዝተቘጽረሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ብዘሎ ኣድህቦናን ጻዕርናን እታ ዕለተ መርዓ ብኸመይ ማዕሪጋን ደሚቓን ትሓልፍ ጥራይዩ። እዚ ሓቂ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ህዝብታትን ባህልታትን ሓደዩ። እዚ ውራይ ምጽባቑ ምምዕራጉ ዋላ ሓንቲ ጸገም የብሉን። ጽቡቕዩ። በረኸት ናይ ቓል ኪዳን ግን ኣብ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ውራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ናይ ዕድመ ምሉእ ሓዳር ዚግለጽ። ጽቡቕ ውራይ፡ ናይ ግድን ጽቡቕ ሓዳር ኣይወልድንዩ። ስለ ናይ ገዛእ ርእስና፡ ናይ ደቅና ዀነ ናይ ኣሕዋትና መርዓ ኺግበር ከሎ፡ እቲ ዝለዓለ ኣድህቦናን ተገዳስነትናን ኣብ ድሕሪ ዕለተ መርዓ ዘሎ ሓዳርን ናብራን ኪኸውን ይግብኦ። ኣብ ዓለም ብሓፈሻ ዀነ፡ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ድማ ብፍሉይ ንዕዘቦ ኸም ዘለና ዕድመ ቓል-ኪዳን ናብ ኣዋርሕን ሰሙናትን፡ ካብኡ ሓሊፉውን ናብ ሒደት መዓልታት ይወርድ ኣሎ። መብዛሕትኡ ኻብ ጸኒዑ ዘሎ ዚመስል ሓዳርውን ፍቕርን ምክብባርን ዘይብሉ፡ ዝሙት ዝበዝሐ እናዀነ፡ቃል ኪዳንን ሓዳርንኢልካ ኽትሰምዮ ዚኸብድን ዜጸግምን ይኸውን ኣሎ። ስለ እታ ብምስጢር ተክሊል ስድራ ቤታት ትተክል ቤተ ክርስትያን፡ እቶም ደቆም ዜዋስቡ ዘለው ስድራ ቤት ኰነ፡ እቶም ተዋሰብቲ ኣካላቶ፡ ብኸመይ ጽቡቕ ውራይ ከም ዚሓልፍ ዘይኰነስ፡እቲ ሓዳር ብኸመይ ይጥዕይን ይጽብቕን፡ ብኸመይከ ነቲ እግዚኣብሄር ዚደልዮ ረቛሒታት የማልእ፧ናብ ዚብል ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ኼተኵር ዚግባእ።

ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ኣብ ገነት ነዚ በዅሪ ምስጢራት ኪሰርዕን ኬቝሞን ከሎ፡ ናቱ ዝዀነ መለኮታዊ ዕላማ ነይርዎ። ካብ ንሄዋን ኪፈጥር ዝመደበሉ ጊዜ ጀሚሩ ድማ፡ ነዚ ዕላማኡ ገሊጽዎዩ። ስለ ተባዕታይ ኰነ ኣንስታይ ጾታ፡ ሰብ ዝዀነ ዅሉ ነዚ ዕላማታት ኺፈልጦን ኪትግብሮን ተሓታትነት ዘለዎ ሓላፍነት ኣብ ዝባኑ ተነቢሩሉ ኣሎ። እቲ ዕላማታት ከኣ ብኸም ዚስዕብ ክንጠቕሶ ኢና።

2. ብቝዕ ደጋፊ ወይ ብቕዕቲ ደጋፊት ምዃን፦ ነዚ ዕላማዚኣ እግዚኣብሄር ገና ሄዋን ከይተፈጥረት ከላ ዝገለጾዩ። ኣዳም ንበይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኰይኑ ኣይተራእዮን። ስለ ኻብ ናቱ ዝተፈልየ ጾታ ዘለዋ ብጸይቲ ኺገብረሉ ወሰነ። ስለ ድማንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉየ። ብምባል፡ ንሄዋን ካብ ኣዳም ፈጠራ (ዘፍ 218) እዚ ዚገብር ዘሎ ኸኣ ገና ኣብ ገነት ከለው፡ እቲ ንሰብ ዜድክም ሓጢኣት ገና ኸይተፈጸመ ኸሎዩ። እታ ዚነብሩላ ዝነበሩ ገነት ድማ፡ ስፍራ ዕረፍትን በረኸትንምበር ዝዀነ ጸገም ዘይነበራያ። ኣብ ከም ዝበለ ቦታ ኵነታትን ኴንካ፡ ብቕዕቲ ወይ ብቑዕ ደጋፊ ዜድልይ ካብ ኰነ፡ ሓጢኣት ኣብ ዝበዝሓ ውድቕቲ ዓለም ክትነብር ከለኻኸ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ምድግጋፍ ኬድልይዩ። እግዚኣብሄር ብጊዜን ብዅነታትን ዘይድረት ፈላጥ-ኵሉ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ገና ውድቀት ከይተኸስተ ኸሎ ነዚ ናይ ምድግጋፍ ኣድላይነት ስለ ዝፈለጦ ንምስጢረ ተክሊል ኣቐዲሙ መስረቶ። እዚ ዕላማ ዝዀነ ይኹን ናብ ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ዝበጽሐ ውልቀ ሰብ ኪፈልጦ ዚግባእዩ። ምድጋፍ ዜድልዮ፡ እቲ ጕድለትን ድኻምን ዘለዎ ሰብ ጥራሕዩ። ስለ ገና ኽትዋሰብ ኢልካ ኽትሓስብ ከለኻ፡ ተልእኾ ናይ ህይወትካ እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጦ ይግባእ። ዓይነት ናይ ኽትድግፎ ዜድልየካ ጕድለትን ድኻምን ኣነጺርካ እንተ ዘይፈለጥካኳ፡ እቲ ጕድለትን ድኻምን ድሮ ኸም ዘሎ ግን ርግጸኛ ኽትከውን ዚግባእ። ስለ ንዅሉ ኣብ ከማኻ ሰብ ዘሎ ድኻምን ጕድለትን ክትጸውር ኰነ ኽትድግፍ ዜኽእለካ ብቕዓት ከተጥርይ ናይ መውስቦ ግዴታኻዩ። ድሕሪ መውስቦ ኻብ መጻምድትኻ ጕድለትን ድኻምን ኪኽሰት ከሎ፡ ድሮ ፈሊጥካዮስ ተዳሊኻሉ ስለ ዝጸናሕካ፡ ነቲ ናይ ምድጋፍ መውስቦኣዊ ተልእኾኻ ተሓጕስካ ክትትግብር ትጅምር ማለትዩ። ንኽትድግፍ ተዋሲብካ ኸተብቅዕ፡ ደገፍካ ዚጠልብ ጸገም ምስ ተኸስተ፡ ናብ ምርረትን ናብ ዕግርግርን ትኣትው እንተ ዄንካ ግን ከቢድ መንፈሳውን ቅልውላው ከም ዘሎካ ዜረድእዩ። ከም ዝዓይነቱ ዘይግቡእ መንፈሳዊ ግብረ-መልሲ፡ ናይ ጥልመት ባህርይዩ። ዋላ ብግህዶ ቓል ኪዳንካ ኣይተፍርስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድኻም ዝተገልጸሉ ዅነታት፡ ንእሽቶ ጥልመት ይካየድ ኣሎ ማለትዩ። እዚ ንኣሽቱ ጥልመታት ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ እናዓበየን እናኸበደን እናበዝሐን ምስ ከደዩ፡ ናብ ግሁድ ፍትሕ ዚብጻሕ። ክዳውንቲ ምሕጻብ ዝሰርሑ ሰብ፡ ዝረስሐ ዝተበላሸወ ኽዳውንቲ ኺመጾ ኸሎ ኬንጸርጽርን ብዙሕን ውሑድን ኪዛረብ፡ ወይውንኣይሓጽብንኺብል ይግብኦዶ፧ ከምኡ እንተ ገበረ፡ መልእኽቲ ናይ ተግባሩ፡ኣነ ኣድላዪ ኣይኰንኩን፡ ነዚ ስራሕ ብቑዕ ኣይኰንኩንዚብል ዚኸውን ኣብ ሓዳር ምስ ተጸምደ ብናይ መጻምድቱ ድኻም ዜንጸርጽርን ዘይተደላዪ ኻልእ ግብረ መልሲ ዚህብን ሰብ ድማ፡ኣነ ንመውስቦ ኣይበቅዕንየ፡ ኣብ ምርጫ ተጋጊኹም ዘይበቅዕ ሰብ ኢኹም መሪጽኩምዚብል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ፡ እዚ መልእኽቲ ድማ ናብ መዋስብትኻ ጥራሕ ዘይኰነ ናብ ኣምላኽውን ይመሓላለፍ ከም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግባእ። ገሌና ክንጽወርን ክንድገፍን ደሊና ብበለጻዊ ስምዒት ኢናንዋሰብ። እዚ በለጻውነት ነቲ ሓዳርና ገና ኺምሰረት ከሎ ጀሚሩ ኸም ነቓዕ መንደቕን ህንጻን ዚገብሮዩ።

ስለ ገና መርዓ ኺሕሰብ ከሎ ጀሚሩ፡ እቲ ዚዋሰብ ውልቀ ሰብ፡ እቲ ዜዋስብ ስድራ ቤት ኰነ እታ እተዋስብ ቤተ ክርስትያን ኣገልገልታን፡ ብዛዕባ መዋስብትኻ ናይ ምድጋፍን ናይ ምጻርን ዕላማ፡ ትምህርትን ምዕዶን ስልጠናን ብምሃብ ንጽንዓት ናይ ዚምስረት ሓዳር ሓቢሮም ኪሰርሑ ይግባእ። ምኽንያቱ ንኣምላኽ ዜኽብር፡ ንተጻምድቲ ዀነ ነቲ ስድራ ቤትን ሕብረተ-ሰብን ዜርብሕ በረኸት ናይ ቃል ኪዳን፡ እቲ ተደጋጊፍካ ብሰላምን ብፍቕርን እትነብሮ ሓዳርን ናብራንዩ። ገንዘብና፡ ጕልበትና ዀነ ጊዜና፡ ሓዳር ናብ ዜጽንዕ ተግባር ከነውዕሎ ብልህነትዩ።

1. ብመሰረቱ ምእንቲ ርእስኻ ዘይኰነ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ምውሳብ፦

እዚ ኣበሃህላዚ፡ ንሓዳር ከም ሓደ ስጋዊ ትካል ገይሩ ንዚርእዮ፡ መንፈሳዊ ብርሃን ንዘይብሉ ሰብ፡ስለምንታይሞ፡ ንኣምላኽ ኢለ ሓዳር ዝምስርት፧ዚብል መንፈሳዊ ብስለት ዝጐደሎ ሕቶ እናተገረመ ኸም ዚሓትት ኪገብሮ ይኽእልዩ። ኣምላኽ ብዝፈጠረልካ ኣካላት፡ ብዝሰዅዓልካ ህይወት፡ ብዝሰርዓልካ ተክሊል ትዋሰብ እናሃለኻ፡ ኣብ ምምስራት ሓዳርካ ንኣምላኽ ተርሕቖን ተጓንዮን እንተሊኻ፡ መንፈሳዊ ጥራሕ ዘይኰነ ኣእምራዊ ጥዕናኻውን ኣብ ኣሰካፊ ሃለዋት ከም ዘሎ ዜመልክት። ቅዱስ ጳውሎስ፦ ኣምላኽ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ (ሰብ) ዚህብ ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና (ብህይወት ንነብር) ዘለናሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ።” ኸም ዝበለ፡ ብእኡ እናተናበርካስ፡ ንእኡ ኢልካ ዘይምግባርን ዘይምንባርን፡ ብዘይካ ህላውነት ኣምላኽ ዘይፈልጥን ዘይኣምንን ኣረማዊ ሰብ፡ ብኣምላኽ ዚኣምን ክርስትያን ሰብ ኪፍጽሞ ዘይግባእ ጥልመታዊ ተግባር (ግብ 1725-28) ኣብ ርእሲ ዝተጠቕሰ መንፈሳዊ ሓቂ፦

ካባናስ ሓደ ንርእሱ ኢሉ ዚነብር የልቦንሞ፡ ንርእሱ ኢሉ ዚመውት ከኣ ሓደ የልቦን። ብህይወይ እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢናንነብር፡ ወይስ እንተሞትና ንጐይታ ኢናንመውትሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና።

ድሕሪ ሕጂ እቶም (ብህይወት) ዘለው ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአንምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ኵላቶም ሞተ።” ዚብል ብርሃን ዚህብ ሃዋርያዊ ቓልውን ተዋሂቡና ኣሎ (ሮሜ 147,8 2ቈረ 515) እምበኣኣር ናብ መሰረታዊ ኣርእስትና ኽንምለስ፡ ምውሳብ ኰነ ምውላድውን ንኣምላኽ ኢልካምበር፡ ንርእስኻ ኢልካ ኺግበር ዘይግብኦዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ሓሳብ ኣዝዩ ዜጕልሖን ዜብርሆን ካልእ ሃዋርያዊ ትእዛዝውን ተዋሂቡና ኣሎ።

እምበኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰተኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።” 1ቈረ 1031

ኣብዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩምዚብል ሓረግ ዘይሕቈፍ ዝዀነ ይኹን ናይ ሰብ ተግባር የለን። እዚ ዝዀነ ዓይነት እንስሳ ዚገብሮ ናይ ምብላዕን ምስታይን ተራ ስጋዊ ንጥፈት፡ ንኸስዐኻን ንርእስኻን ኢልካ ዘይኰነስ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ ጥራሕ ኪግበር ካብ ተገብኦ፡ እቲ ብኣምላኽ ዝተሰርዐን ዝተኣዘዘን መንፈሳዊ ተግባራትከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ናይ ግድን ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ኽንገብሮ ዘይግብኣና!! “ተክሊል፡ መውስቦ፡ ቃል ኪዳን፡ ሓዳርዝደለና ኻልእ ስምውን እንተ ሃብናዮ ብዘየገድስ፡ ምሉእ ብምሉእ (100%) መንፈሳዊ ተግባርዩ።ምስጢረ ተክሊልሓደ ኻብቶም ንመሰረተ እምነትና ዘቘሙ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያንዩ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ብፍሉይን ክቡርን ኣገባብ ዚትግበር ምስጢርዩ። እዚ ዅሉዚ፡ መውስቦን ሓዳርን ምሉእ ብምሉእ መንፈሳዊ ተግባር ምዃኑ ዜረጋግጸልናዩ። ቃል ኪዳን፡ ጾታዊ ርክብ ምግባርን ብምውላድ ምብዛሕን ማለት ኣይኰነን። እዚ ዝዀነ በሃም እንስሳ ዚፍጽሞ ተግባርዩ። እንስሳ፡ ቃል ኪዳን፡ መውስቦ፡ ሓዳር ኣይፍጽምንዩ። ስለ ነቲ ብተክልል ዚፍጸም ቃል ኪዳንን መውስቦን ምስ ናይ እንስሳ ተራ ስጋዊ ርክብ ምምስሳል፡ ነቲ ተክሊል ዝሰርዐ ኣምላኽን፡ ነቶም ብምስጢረ ተክሊል ብቓል ኪዳን እንዋሰብ ደቂ ሰባትን፡ ከምኡውን ንባዕሉ ነቲ ኽቡር ምስጢር ምቅላልን ምውራድንዩ። ነዚ ኣምላኽ ዝሰርዖን ዘኽበሮን ምስጢርዚ፡ ምእንቲ ኣምላኽምበር፡ ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ ኺግበር፡ ፈጺሙ ኣይምጥኖንዩ።

ዋላ ብመውስቦ ምውላድውን ምእንትኡን ንእኡን ኢልና ኽንገብሮ ዚግብኣና ምዃኑ ብነብያቱ ገይሩ ገሊጹልናዩ። እስራኤላውያን ንኣምላኽ ካብ ምስዓብ ተዛሒጦም ደድሕሪ ጥኦታት ናይ ኣህዛብ ኪስዕቡ ምስ ጀመሩ፡ ንደቆም እናሓረዱ መስዋእቲ ይገብርዎም ነበሩ። ከምኡ ድማ ብፍትሕ ንሰብ ኪዳኖም ይጠልሙ ስለ ዝነበሩ፡ እግዚኣብሄር መውስቦ ዝሰርዓሉ ዓላማ ብምግላጽ ከም እናበለ ተዛረቦም።

እግዚኣብሄር ሓደ ኣካልን ሓደ መንፈስንዶ ኣይገበረኩምንዩ፧ ስለ ምንታየከ ነዚ ገበሮ፧ ናይ ብሓቂ ህዝቢ (ናይ) እግዚኣብሄር ዝዀኑ ደቂ ምእንቲ ኽትወልዱ ኢሉ (ዘርኢ ኣምላኽ ክትወልዱ ስለ ዝደለየ) እምበኣርሲ ገዛእ ርእስኹም ሓልው፡ ነታ (ብዓልቲ) ቓል ኪዳኑ ሓደ ኣይጥለም፡ ምፍታሕ (ፍትሕ) እጸልእየ። እወ ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ኺዳኑ ኸም ዝበለ (ናይ ፍትሕ) ዓመጽ ንዜምጽእ ሰብ እጸልኦየ። ስለ ንበዓልቲ ቓል ኪዳንኩም ከይትጠልምዋ ገዛእ ርእስኹም ሓልው።ሚል 215,16 .

ንኣይ ምኽሓድ ውሒዱክስ፡ ነቶም ንኣይ ዝወለድኽዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ንጣኦታት ምግቢ ምእንቲ ኪዀንዎም ሰዋእክዮም። እወ፡ ንደቀይ ሓሪድኪ ንጣኦታት ሰዋእክዮም።ህዝ 1620,21 .

ካብ ቕዱስ ቃል ኸምንርድኦምበር፡ ንርእስና ኢልና ኽንወልድውን ኣይተሰርዓልናን። ዋንነት ናይቶም እንወልዶም ደቂ ድማ፡ ናይ እግዚኣብሄር ጥራሕዩ። ደቅና ናትና ዘይኰኑስ እግዚኣብሄር ኣብ ሕቝፍና ዘማዕቈበና ኣብ ትሕቲ ጽላል ጕስነትና ዘንበሮም ንብረት ሕድሪዮም። ከም ነቶም መክሊት ብሕድሪ ዝሃቦም ኣገልገልቱ ዝተጸባጸቦም፡ ንዅላትናውን ብዛዕባቶም ብሕድሪ ዘረከበና ደቁ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ብዝርዝር በብስሞም ጸብጻብ ኪሓትተናዩ። እቲ ሕቶ ግን፡ኣበይ ኣምሂርካዮ፡ እንታይ ከዲንካያ፡ እንታይ መጊብካዮምኣይኰነን። ምእንቲ መን ኢኻ ወሊድካዮምን ኣዕቢኻዮምን፡ ደቀይ ከም ዚዀኑ ጌርካ ብመንፈሳውነትዶ ሃኒጽካዮም፧ ኪኸውን። ንሕናን ኵሉ ዘርእናን ብሓባር ስለንቐርብ፡ እቲ ጕዳይ ምርመራ ዘይሓትት ግሁድ ኪኸውን። ንሓዳር ብኸም ዝበለ ንኣምላኽ ዜኽብር፡ ንርእስናን ንደቅናን ድማ ብዜርብሕ ኣገባብ እንተመሓደርናዮ፡ ናይ ብሓቂ ነቲ ናይ ቃል ኪዳን በረኸት ከም ዝረኸብናዮ፡ ኣብ ልዕሌናውን ከም ዝዓሰለ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ካብ ወጻኢ፡ ኣብ ውራይና ዀነ ኣብ ሓዳርና ንበረኸት ቃል ኪዳን ብንበልዖን ብንሰትዮን ብንኽደኖን ብነጥርዮ ንብረትን እንተ ለኪዕናዮ ግን መንፈሳዊ ብስለት ከምዚ ጐድለና፡ ገናውን ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ከም ዘለና ዜረጋግጽ ኣሰካፍን ኣስጋእን ምልክትዩ።

3. ንሓዳርካን ንቤትካን ቤተ ክርስትያን ከምትኸውን ጌርካ ምህናጽ፦ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ኣብ ሓዳር ኪህልወና ዚግብኦ ናይ ናብራ ዓይነት ኪምዕድን ኬስተምህርን ከሎ፡ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎን ኣማእዛንን ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ።

ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። . . . ከም ቤተ ክርስትያን ንክርስቶስ እትእዘዞ ኸምኡ ድማ ኣንስቲ ሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም። ኣቱም ሰብኡት፡ ከም ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያን . . . ኣብ ክንድኣ ገዛእ ርእሱ በጃ ኽሳዕ ምሃብ ዘፍቀራ፡ ነንስትኹምውን (ከምኡ ጌርኩም) ኣፍቅርወን። ከምኡ ኸኣ ኣቱም ሰብኡት ነተን ኣንስትኹም ከም ገዛእ ሰብነትኩም ጌርኩም ኣፍቅርወን። እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ገዛእ ርእሱ ዜፍቅር፡ ከም ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ዚከናኸና፡ (ከምኡ ድማ) ሰብ ንገዛእ ሰብነቱ (ንመጻምድቱ) ይምግቦን ይከናኸኖንምበር ገዛእ ሰብነቱ ዚጸልእ ሓደ የልቦን። . . . እዚ (ምስጢረ ተክሊል) ዓሚቝዩ፡ ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተ ክርስትያኑን እምስሎ ኣለኹ። ስለ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ተኽብሮ።ኤፌ 521-33

እዚ ሃዋርያዊ መግለጺ ናይ መውስቦ መንፈሳውነት ማዕረ ኽንደይ ዓብይን ዓሚቝን ምዃኑ ዜመልክተናዩ። ናይ መረጋገጺ ኸኣ፡ በቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ዝምድና ዚግለጽ ምዃኑን ምስኡ ምንጽጻሩንዩ። ስለ ዝዀነ ይኹን ሓዳር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ዝምድና ዚመስል እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስ ሓዳር ኪቝጸር ኣይክእልንዩ። መስመሩ ዝሰሓተ፡ ካብ ሓዲዱ ዝወጸ፡ እንስሳዊ ሓዳርን መውስቦንዩ። ኣብ ሓዳሮም፡ እቲ ሰብኣይ ንክርስቶስ፡ እታ ሰበይቲ ድማ ንቤተ ክርስትያን እንተ ዘይመሲሎም፡ ካብ እግዚኣብሄር ንቓል ኪዳን ዝመደቦን ዝሃቦን በረኸት ርሒቖም ይነብሩ ኸም ዘለዉ ርጉጽ ሓቂዩ። ተፋቒርካን ተሰማሚዕካን ምንባርካ ጥራሕ፡ እቲ ሓዳርካ ነቲ ናይ ክርስቶስ መሲሉ ማለት ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ ምንዝርናዊ ፍቕሪ፡ ናይ ረብሓ ፍቕሪውን ብሓደ ኺጠምረካ ይኽእልዩ። ጥዕና ዘለዎ፡ ኣምላኽ ዜኽብሮን ነቲ ናይ ክርስቶስ ዚመስል ፍቕሪ እንተሎና ጥራሕዩ፡ ናይ ብሓቂ ጥዑይ ሓዳር ዚኸውን። ፍረ ናይ ንናይ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያን ዝምድና ዚመስል ሓዳር፡ ጽድቂ ጥራሕዩ። ካብኡ ዝተፈልየ ሓዳር ግን፡ ብዘይካ ሓጢኣት፡ ካልእ ዚሓይሽ ፍረ ኺህልዎ ኣይክእልንዩ።

ኣብ ንክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ዚመስል ሓዳር፡ እታ ሰበይቲ ንብዓል ቤታ ከም ክርስቶስ ገይራ እትርእዮ። ክትእዘዞ ኸላ ድማ፡ ከም ንክርስቶስ እትእዘዞ ገይራትእዘዞንተኽብሮን። ካብ ሃዋርያዊ ትእዛዝ እንተ ጐደለት፡ ንምስሊ ናይ ሓደራ ትድውኖን ተበላሽዎን ኣላ ማለትዩ። ብመሰረቱ ንክርስቶስ ዘይትፈልጦን ዘይተፍቅሮን ዘይትእዘዞን እንተ ዀይና ግን፡ ንሰብኣያ በየናይ ኣርኣያ ኽትእዘዞ ትኽእል፧ እግዚኣብሄር ዜኽብሮን ዚጻምዎን ሓዳር ኪህልዋ እትደልይ ብልህን ለባምን ሰበይቲ፡ ቅድሚ መውስቦ ዀነ ድሕሪ መውስቦ፡ ንክርስቶስ ብምእዛዛ ዝተመስከረላ ሰብ ክትከውን ይግብኣ። ካብ ንክርስቶስ ምእዛዝ፡ ንከማኻ ድኹም ሰብ ምእዛዝ ኣዝዩ ኸም ዚኸብድ ኣይንዘንግዕ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ኣበር ዘይብሉ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብንዩ። እቲ መጻምድቲ ግን ካብ ናትካ ዘይውሕድ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ዝመልኦዩ። እዚ ድኻሙ ድማ ንኽትደፍሮ ንኽትግህሶምበር፡ ንኽትእዘዞ ዚዕድም ኣይኰነን። ስለ ነዚ ዓጋቲ ባህርዩ ሰጊርካ ከም ንተራ ሰብ ዘይኰነስ፡ ከም ንክርስቶስ ጌርካ ንኽትእዘዞ፡ ዕዙዝ ጸጋን ልዑል መንፈሳውነትን ዚጠልብዩ። እዚ ሃዋርያዊ ትእዛዝ ግን ናብ ምርጫን ናብ ዋጋ ዕዳጋን ዚኣትው ስለ ዘይኰነ፡ ሓዳርና ናይ ብሓቂ ሓዳር ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ኣንስቲ ነቲ ድኹም ብዓል ኪዳነን ከም ንክርስቶስ ገይረን ብፍቕርን ብሓጐስን ኪእዘዛ ኪዳናዊ ሓላፍነተንዩ።

ካብ ናይ ሰበይቲ ግን ናይ ሰብኣይ ሓላፍነት እምብዛ ዝዓበየን ዝኸበደንዩ፡ ምኽንያቱ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ዝገበሮ፡ ካብ ንሳ ንእኡ ዝገበረትሉ እምብዛ ዝዓበየዩ። ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ቅድስትን ፍጽምትን ምእንቲ ኺገብራ፡ ህይወቱ በጃ ዘሕለፈ ኣርኣያናዩ።ቅድስትን ፍጽምትን ኩኒኢሉ ኺእዝዝ ዘይኰነስ፡ ንእኣ ፍጽምቲ ምእንቲ ኺገብር፡ ናይ ህይወት መስዋእቲ ኽሳዕ ምኽፋል በጽሐ። ነዚ ዅሉ ኺገብር ዘኽኣሎ ኸኣ እቲ ንእኣ ዝነበሮ መጠን ዘይብሉ ፍቕሪዩ። ነዚ ኸይገበረ፡ ምስልን ኣርኣያን ናይ ክርስቶስ ከይለበሰ፡ብዓል ሓዳርየ፡ ሰብኣይየ፡ ርእሲ ሰበይተይዚብል ሰብኣይ ድማ፡ ነቲ ወኪልዎ ዘሎ ኢየሱስ ዜዋርድ፡ ንዝኣተዎ ኺዳን ዜራኽስ ጠላሚ ሰብዩ። ብዓልቲ ቤቱ ስለ ዝጐደለት ዜዋርዳ፡ ዚሃርማ፡ ዚጸልኣ፡ ዚፈትሓ ብዓል ኪዳን፡ ንሱ ናይ በደላ በጃ ኣብ ክንዲ ዚኸውን፡ ንእኣ በጃ በደላን ድኻማን ዚገብራ ንኣርኣያ ናይ ክርስቶስ ዝፈንፈነ፡ ክርስትያን ዚመስል ኣረሚን ሰብዩ። እቲ ኣብ ሓዳሩ ጸገም ብዘጓነፈ መጠን፡ክርስቶስ ዝገበሮሞ፡ ኣነ ኽስዕቦ ዘለኒ ኣርኣያ እንታይዩ፧እናብለ ምስሊ ኣርኣያ ክርስቶስ ኪለብስን ክርስቶሳዊ ባህርይ ኪለብስን ኬንጸባርቕን ዚጋደል ኪዳናዊ ብዓል ቤት፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣት ጐይታ፡ በቲ ክርስቶስ ዝኸበረሉ ኽብሪ ኪኸብርዩ። እቲ ገባሪ በረኸት ናይ ቃል ኪዳን ድማ እዚዩ። ብቝዓት ደገፍቲ ምዃን፡ ምእንቲ ክርስቶስን ኢልካ ምውሳብን ምውላድን፡ ኣብ ሓዳርካድማ ዝምድና ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ዚመስል ዝምድና ምህናጽ፡ ሰብን ኣምላኽን ዜኽብርዎ ሰይጣን ስፍራ ዚስእነሉ ፍጹም ሓዳርዩ።

እምበኣር ብመንጽር ሓቂ ህይወትናን ናብራናን ንመርምር፡ እቶም ተዋሲብናስ ድሮ ኣብ ሓዳር ዘለና፡ ዝሓለፈ ጕድለትና ብንስሓ ኣሪምና፡ ናብ ኣምላኽ ዝመደበልና ደረጃ ንዕበይ። እቶም ገና ናብኡ ዘይበጻሕና ኸኣ፡ በዚ ዝተገልጸልና ምስጢር መውስቦ ርእስና ንዕውት ሓዳር ነዳልው። ካብ ስጋውን ላዕላውን (superficial) መለክዒ በረኸት ወጺእና፡ በቲ ሓቀኛን ነባርን በረኸት ናይ ቃል ኪዳን ንማእዘን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

26 ጥሪ (ጥር) 2024 | ጥሪ  18, 2016 ግዕዝ (መበል 20 ሰንበት: ቊ.፳/20)

ምስባክ

መዝ፹፫(፹፬)፡፮,፯ “እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሐውር አምኃይል ውስተ ኃይል። ወያስተርኢ አምላከ አማልክት በጽዮን።”

“ብለሰ ብኽያት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፡ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።”

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 2፡1-11

ዲያቆን

1ዮሃ 5፡1-13

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 10፡30-39

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 2፡1-11

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ ሖረ ኢየሱስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div