“ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር፡ ርስቶስ ሓራ ኣውጺኡና’ዩ። ስለ’ዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ’ውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። . . . ኣሕዋተይ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም። እንተ ዀነ ንሓድሕድኩም ደኣ ብፍቕሪ ተገዛዝኡ’ምበር፡ ነዚ ሓርነትኩምሲ ንሓጢኣት ምኽንያት ኣይትግበርዎ።”ገላ 5፡1,13 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሻድሻይን ናይ መወዳእታን ሰንበት፡ ከምኡ ድማ ቀዳማይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም’ዩ። ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ናይ መወዳእታ ሰንበት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዋዜማ ናይ ምእታው ዓብይ ጾም’ውን ስለ ዝዀነ፡ መላግቦ ናይ ክልተ ኣገደስቲ ዘመናት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ቐዳማይ ሰንበት ናይ’ዚ ንኣትዎ ዘለና ዓብይ ጾም፡ “ዘወረደ” ይብሃል። ደጊም ካብ ዘመነ ኣስተርእዮ ናብ ዘመነ ጾም ንሰግር ኣለና። ነዚ ‘ንኣትዎ ዘለና ጾም፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ዓብይ ጾም፡ ርእሰ ኣጽዋማት፡ ጾመ’ርብዓ፡ ጾመ ኢየሱስ” ኢላ ብዝተፈላለየ ስማትን ቅጽላትን’ያ ትጽውዕዕ፡ እቲ “ዓብይ ጾምን ርእስ ኣኣጽዋማትን” ዚብል መግለጺ ቕጽላት፡ በቲ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነ ዓብዪ ጐይታ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተጾመ ጾም ስለ ዝዝዀነ ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ኣጽዋማት ከም ዚስራዕን ንዕብየቱ ዚምጥንን ክብሪ ኺወሃቦ ኸም ዚግባእን ዜመልክተና’ዩ። ብክርስቶስ ከም ‘ንኣምን ክርስትያን ህዝቢ መጠን፡ እብ’ቲ ጐይታና ምእንቲ ድሕነትናን ኣርኣያናን ዘካየዶ ናይ ጾም ገድሊ ኽንሓብሮን ኣርኣያኡ ኽንስዕብን ክርስትያናዊ ሓላፍነትና’ዩ። ጐይታና ብቕዱስ ዮሃንስ ተጠሚቑ ኻብ ርባ ዮርዳኖስ ምስ ወጸ፡ ናይ ወንጌል ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ ብናይ መንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ብድያብሎስ ኪፍተን ናብ በረኻ ወጸ። ብዘይ ጾምን ጸሎትን ንናይ ሰይጣን ፈተና ኽንስዕሮ ኸም ዘይንኽእል ኣርኣያ ምእንቲ ኺህበና ኸኣ፡ ዘይከማና 40 መዓልትን 40 ለይትን ዚስተይ ይኹን ዚብላዕ ከይለኸፈ ምስ ድያብሎስ ከቢድ ገድሊ ተጋደለ (ማቴ 4፡11-11 ፣ ማር 1፡12,13 ፣ ሉቃ 4፡1-13)። ኣብ ናይ ሓበሻ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝውቱር እንተ ዘይኰነ’ኳ፡ ኣብ ኣሓት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያን፡ ኵሎም ማዕርግ ክህነትን ማዕርግ ጵጵስናን ዝተቐበሉ ኣኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንና ድሕሪ ሲመቶም ናብ ገዳማት ወሪዶም ከም ጐይታኦም ናይ 40 መዓልታት ሱባኤ ኺኣትው ምርኣይ ዝውቱር’ዩ። ኣብ’ቲ “ፍኖተ ህይወት” ዝተሰምየ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ናይ መሰረተ እምነት መጻሕፍትና ብስፍሓትን ብዕምቈትን ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ካብ’ቶም ግብረ ኣምልኽዕ እንፍጽመሎም ኣርባዕተ ስነ ምግባራት ሓደ፡ ጾም’ዩ። ስለ’ዚ ምእመን ይኹን ኣገልጋሊ፡ ልክዕ ከም ጐይታናን ከም ቅዱሳን ነብያቱን ቅዱሳን ሃዋርያቱን፡ ብጾምን ጸሎትን ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ፡ ኺገብር ይግብኦ። ጾም፡ ብገዛእ ፍቓድና ንገዛእ ስጋና ኣድኪምና፡ ኣብምሳያኡ ግን ካብ እግዚኣብሄር ንጽድቂ ዚኸውን መንፈሳዊ ሓይሊ ‘ንልምነሉን ‘ንቕበለሉን መንፈሳዊ ስነ ምግባር’ዩ። ስሩዕ ዝዀነ ኣዘውቲርካ ዚግበር ኵሉ ስነ ምግባር፡ ከም ልማድ ተወሲዱ ልማዳዊ ናይ ምዃን ልዑል ሓደጋ ኣለዎ። ጾም ዚኣክል ዓብዪ ስነ ምግባር፡ ብልማዳዊ ኣገባብ እንተ ተታሒዙ ናምላኽ ዜጕህዮ ንሰብ ከኣ ዚሃስዮ ኸንቱ ስነ ምግባር ኰይኑ’ዩ ዚተርፍ። እቲ ሃስያኡ ድማ ብስጋን ብመንፈስን ስለ ዝዀነ ድርብ ሃስያ’ዩ ዚኸውን። እቲ ሓቀኛን ኣምላኽ ዚቕበሎን መንፈሳዊ ጾም፡ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ዚጽወምን ብግብሪ ጽድቂ ዝተሰነየን ዝማዕረገን ጾም’ዩ። ልማዳዊ ወይ ባህላዊ ጾም ግን ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንርእስኻ ኢልካ ዚወጽም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብሓጢኣት ዝተበከለን ዝጋዕዘየን ጾም’ዩ። እግዚኣብሄር ንኸም’ዚ ዝዓይነቱ ጾም ኣዝዩ ኸም ዚጽየፎን፡ እንታይ ዝዓይነቱ ጾም ከም ዚቕበልን ከም ዜሓጕሶን ደጋጊሙ ብግብርን ብቓልን ገሊጹልና’ዩ (ኢሳ 58፡1-12 ፣ ዘካ 7፡1-14 ፣ 8፡16-19 ፣ ዮና 3፡1-10)።
ነዚ “ዘወረደ” ዝተሰምየ ቐዳማይ ሰንበት ዝተሰርዐ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “ተቀነዪ ለእግዚኣብሄር” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ፡ በቶም ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዑ ክልተ ናይ መዝሙር ዳዊት ምስባክን ብኻልኦት ጥቕስታትን ዝተሃንጸን ዝቘመን’ዩ።
“እምበአርሲ ኣቱም ነገስታት፡ ለብሙ፡ ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን፡ ተኣረሙ። ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፡ ብረዓድ ከኣ ተሓጐሱ። ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፡ ንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።” (መዝ 2፡10,12
“እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፡ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፡ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና። ኣብ ደጌታቱ ብምስጋና፡ ኣብ ኣጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፡ ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ጸጋኡ ንዘለኣለም፡ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።” መዝ 100፡3-5
ጾም ክንጸውም፡ ብጻይና ኸነፍቅር፡ ንሓድሕድና ኽንፋቀር፡ ጽድቂ ኽንገብር፡ ነታ ምንእቲ ሰብ ዝተፈጥረት ሰንበት ከነኽብር ዚምሕጸን፡ ነቲ እግዚኣብሄር “ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረክቡ ሰንበተይ ኣኽብሩ፡ ነቲ ሰላም ዚህብ ቃለይ ሓልው” ዝበሎ ቓል ከነኽብር ዜዘኻኽር መዝሙር’ዩ። እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ፡ ናይ ዮሃ 3፡10-21 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ነቲ “ዘወረደ” ዚብል ናይ’ዚ ሰንበት’ዚ መጸውዒ ዚገልጽ’ዩ። ጐይታና ምስ ኒቆዲሞስ ብዛዕባ ዳግም ልደት ኪዘራረብ ከሎ፡ ብዛዕባ ኻብ ሰማይ ምውራዱን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኵሉ ዚርከበሉ ናይ ምልኣት ህላወኡ መለኮታዊ ባህርይ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹ ኣሎ።
“ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ‘ንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮ’ውን ንምስክር ኣለና። ነቲ ምስክርና ግና ኣይቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ገርኩም ክትኣምኑ፧ ብዘይካ’ቲ ኻብ ሰማይ ዚወረደ፡ ኣብ ሰማይ’ውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሕእደ’ኳ የልቦን።” ዮሃ 3፡11-13
ኣብ ካልእ ክፍልታት ናይ ወንጌል’ውን ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ፡ ካብ ኣቦ ተላኢኹ ኸም ዝመጸ፡ ካብ ላዕሊ ካብ ኣምላኽ’ምበር ካብ ዓለም ከም ዘይኰነ፡ ደጋጊሙ ገሊጹኣሎ (ዮሃ 6፡38 ፣ 7፡28,29 ፣ 8፡42)። ካብ ሰማይ ስለ ዝወረደ ነቲ ግብሪ ምድሓን ኪፍጽም ካብ ከኣለ፡ ናብ’ቲ ናይ ሞትንትንሳኤን ኣርእስቲ ቕድሚ ምእታው፡ ነዚ ዘመነ ጾም’ዚ በቲ ኻብ ሰማይ ናይ ምውራዱ ሓሳብ ኽንጅምሮ ግቡእ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ኸኣ ካብ’ቲ ናይ ገላ 5፡13-26 ንባብ ዝተወስደ’ዩ። ምኽንያቱ ንሕና ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ሓርነት ብሞቱን ትንሳኤኡን ዝተዋህበና ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ሓርነትና’ዚ ብኸመይ ከም ‘ንዕቅቦን፡ ብኸመይ ንኽብሪ ኣምላኽን፡ ንናይ ርእስና መንፈሳዊ ረብሓን ኸም ‘ንጥቀመሉ ኽንፈልጥ ይግብኣና’ዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ’ንታይ ዝዓይነቱ ሓርነት’ዩ ዚዛረብ ዘሎ፧ ክርስቶስ ሓራ ዜውጽኣና፡ ናይ ምንታይን ናይ መንን ባሮት ስለ ዝነበርና’ዩ፧ ብመሰረቱ ብዛዕባ ሓርነት ኰነ ብዛዕባ ባርነት ክንዛረብ ከለና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ’ምበር፡ ብዛዕባ ስጋዊ (ኣካላዊ) ወይ ፖለቲካዊ ባርነት ንዛረብ ከም ዘየለና ብሩህ ኪኸውን ይግባእ። ስለ’ዚ መንፈሳዊ ሓርነትን መንፈሳዊ ባርነትን ኣሎ ማለት’ዩ። ቅዱስ ወንጌል ብኣምላኽ ዝተዋህበናን ዚስበኸልናን ዘሎ፡ ነዚ ዘለኣለማዊ መጻኢና ዚውስን መንፈሳዊ ኣምር’ዚ (Concept) ጽቡቕ ጌርና ምእንቲ ኽንርድኦ’ዩ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ መንፈሳዊ ሓርነት ዘይረኸበን ብሓርነት ዘይነበረን ሰብ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዚጽበዮ ዘሎ ዘለኣለማዊ መጻእን ዕድመን ኣብ ኪግለጽ ዘይክእል ናይ ስቓይ ባርነት’ዩ ዜሕልፎ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ኣይሁድ ንጐይታናን ብዘይሕለል ህልኽ ብጽኑዕ ዚከታተልዎ ህዝቢ’ዮም ነይሮም። ሓደ እዋን እናተኸራኸርዎ ኸለው፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዝነበረ ቃል ጸጋን ምስጢርን ተገሪሞም፡ ገለ ኻብኣቶም ኣኣመንዎ። ጐይታና ድማ ነቶም ብእኡ ዛመኑ ኣይሁድ፦ “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።ንሓቂ ኽትፈልጥዎ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም’ያ።” በሎም (ዮሃ 8፡30-32)። እንተ ዀነ እዞም ዛመኑ ዚመስሉ ሰባት፡ ብዛዕባ’ቲ ጐይታ ዚዛአበሉ ዝነበረ ሓርነት ዝዀነ ዓይነት ርድኢት ስለ ዘይጸንሖም፡ ብዘይ ጽቡቕ ስምዒት፡ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኴንና እተግዛእናዮ ከቶ የብልናን፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ ‘ሓራ ኽትወጹ ኢኹም’፡ ‘ትብለና ዘለና፧” ኢሎም መለሱሉ (8፡33)። እዚ መልሶም’ዚ ብዛዕባ’ቲ ጐይታ ዚዛረበሉ ዘሎ ኣርእስቲ ዝዀነ ኣፍልጦ ኸም ዘይነበሮም ዜመልክተና’ዩ። ጐይታና ድማ፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሃጢኣት’ዩ። ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት (ጐይታኡ) ንዅሉ ጊዜ ኣይነብርን’ዩ። ውሉድ ግና (ኣብ’ቲ ቤት ኣቦኡ) ንዅሉ ጊዜ ይነብር። ስለ’ዚ ወልድ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም (ናይ) ብሓቂ ውጽኣ ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። . . . “ ኢሉ መለሰሎም (ዮሃ 8፡34,35)። እዚ ብእግዚኣብሄር ወልድ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዚርከብ ሃርነት፡ ካብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ እንወጽኣሉ ምሉእ ብምሉእ መንፈሳዊ ሓርነት’ዩ። ንሳቶም ግን፡ ሓሰውቲ ደኣ ዀይኖም’ምበር፡ ብድርብ ባርነት ዚነብሩ ዝነበሩ’ዮም። ብሓጢኣኣት ኣብ መንፈሳዊ ባርነት፡ ከምኡ ድማ ብፖለቲካ ባሮት ሮማውያን ኰይኖም ይነብሩ ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነቶም ኣብ ሮማ ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነዚ ናይ ጐይታና ቓል ደጊሙ ጽሒፍዎ ኣሎ።
“ከም እዙዛት ባሮት ኴንኩም ገዛእ ርእስኹም ንሓደ (ኣካል) እንተ ኣግዛእኩም፡ ባሮት ናይ’ቲ እትእዘዝዎ (ኣካል) ከም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከምኡ ኸኣ (ባሮቱ ዄንኩም) ንሓጢኣት እንተ ተኣዘዝኩም ናብ ሞት ኪመርሓኩም’ዩ፡ ንእግዚኣብሄር እንተ ተኣዘዝኩም ግና (ብሓርነት) ናብ ጽድቂ ኺመርሓኩም’ዩ። ቀደም ባሮት ሓጢኣት’ኳ እንተ ነበርኩም፡ ነቲ ብሕድሪ ዝተዋህበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺእኩም ከኣ ንጽድቂ ስለ ዝተገዛእኩም፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። . . . ባሮት ሓጢኣት ኣብ ዝነበርኩምሉ፡ ‘ጽድቂ ኽንገብር ይግብኣና’ዩ’ ዚብል ስክፍታ እይነበረኩምን። ካብ’ቲ ሕጂ እትሕእፍሩሉ ዘለኹም (ሓጢኣት) እንታይ እፍሬኹ፧ መወዳእታ ናይ’ቲ (ሓጢኣት)’ቲ፡ ሞት’ዩ። ሕጂ ግና ካብ (ባርነት) ሓጢኣት ሓራ ወጺእኩም፡ ንኣምላኽ ስለ ዝተገዛእኩም፡ ቅድስና ፈሪኹም ኣለኹም።” ሮሜ 6፡16-18,20-22 ካ.ት
ስለ’ዚ ሓጢኣት ከነዘውትር ከለና፡ ናብ ህልም ዝበለ መንፈሳዊ ባርነት ኣቲና ከም ዘለና ኽንፈልጥ ይግባእ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣስዒቡ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ባዕላትና ፈቲና ናብ ባርነት ሓጢኣት እንተ ኣቲና፡ ኣብ ልዕሌና ዚገዝእ’ሞ ንባርነትና ዜመሓድር ሕጊ፡ “ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን”’ዩ ዚብሃል (ሮሜ 8፡2 ካ.ት)። ፈቲና ሓንሳእ ናብ ባርነት ሃጢኣት ምስ ኣተና፡ ክርስቶስ ሓራ እንተ ዘይኣውጺኡና፡ ንፍታው ንጽላእ ሓጢኣት ካብ ምግባር ከነቋርጽ ኣይንኽእልን ኢና። ሓጢኣት ሓንሳእ ኣብ ልዕሌና ምስ ነገሰ፡ እቲ ንጉስና ሃጢኣኣት’ዩ እንታይ ከም ‘ንገብር ዚውስን’ምበር፡ ንሕና ባዕላትና ኣይኰንናን እቲ ሓቂ ኸምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ’ዩ፡ “ባርነት” ዝተሰምየ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኽውንነት’ዚ ኣዝዩ ብዜደንቕ ስእላዊ ኣገባብ ገይሩ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። “ሕጂ፡ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣነ ግና ንሓጢኣት ዝተሸጠ ስጋዊ’የ። ስለ’ዚ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን’የ። (ምኽንያቱ) ነቲ ዝጸልኦ (ሓጢኣት)’የ ዝገብሮ ዘለኹ’ምበር፡ ነቲ ዝደልዮ (ጽድቂ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እምስክር ኣለኹ። እምበኣር እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት’ዩ ዚገብሮ ዘሎ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣሎኒ’ምበር፡ ምግባር ሰናይሲ የብለይን። ስለ’ዚ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ።” ሮሜ 7፡14-18 ካ.ት
ባርነት ይብሉኻ ከም’ዚ’ዩ። መዘዙን ሳዕቤኑን ከይፈለጥካ ብየዋህነት ሓጢኣት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ስጋኻ ምስ ኣግዛእካዪ፡ ነኢ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ዝሃበካ ናይ ነጻ ምርጫን ነጻ ፍቓድን መሰልካን ስልጣንካን ገፊፉ፡ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ምርጫ ዘይብልካ “መንፈሳዊ ባርያ” ገይሩ ኺገዛካ ይነብር። “ሓጢኣት ኣይትግበር፡ ጽድቂ ግበር” ዚብል ትምህርትን ትእዛዝን ተዋሂቡናስ፡ ንኽልቲኡ ምግባር ዓቐበት ኰይኑና ዝተሸገርናሉ እዋን ኪቝጸር ዘይከኣል ብዙሕ’ዩ። ብገለ ዚተቅምን ዘይጠቅምን ምኽንያት ምስ ሓድሕደ ሰባት ንጸላእን ንቕየምን’ሞ፡ “ንዑ ተዓረቑ” ዚብሉ ለባማት ሸምገልቲ ተረኺቦም ኪዓርቁና እንተ ተጋደሉ፡ እምብዛ ሓንጊድና “ጽልእን ቂምታን’ዩ ዜሕሸኒ፡ ፍቕርን ሰላምን ሕድገት ምግባርን ግን ንኣይ ነውሪ’ዩ” ዝመልክእኽቱ ሰይጣናዊ መርገጺ ንወስድ። ባርነትን ማእሰርትን ዚበሃል እዚ’ዩ። እቲ ግብርና እምብዛ ኸም ዜኽፍኣልና እናተረድኣና’ኳ፡ ነቲ ዜሕሸናን ዚተቕመናን ጥዑይ ኣማራጺ ንምግባር ግን ዓቕሚ ንስእን። ምኽንያቱ ርእስናን ንሓጢኣት ሼጥና፡ ናይ ሰይጣን ንብረትን ባርያን ጌርና’ያ ኢና። ወረቐትናን ጊዜናን ስለ ዘይኣኽለና’ምበር፡ ብዙሕ ካልእ ዝውቱር ኣብነታት ኪጥቀስ ምተኻእለ ነይሩ።
ክርስቶስ ከመይ ገይሩ’ዩ ኻብ’ዚ ባርነት’ዚ ሓራ ዜውጽኣና፧ ሓራ ዜውጽእ እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ንምንታይ ነዚ ዅሉ ኣብ ሓጢኣት ጥሒሉ ዚነብር ዘሎ ህዝቢ ዓለም ሓራ ዘየውጽኦ፧ ጐይታና ኻብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ኻብ ቅድስቲ ድንግል ተወሊዱ ወንጌል ዝመሃረ፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ምእንታና መሪር መከራን ሞትን ተቐቢሉ ብዓወት ዝተንስአ፡ ካብ’ዛ መራር ባርነት’ዚኣ ሓርነት ሂቡ ውሉድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺገብረና’ዩ። እዚ ድማ ኻብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዝተነግረ ትንቢታዊ ሃቂ’ዩ (ኢሳ 61’1-3)። ኣብ’ቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ ዮሃ 8፡26 ትቕሲ፡ ነቲ ጐይታና ብዛዕባ ርእሱ፡ “ወልድ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹም” ኢሉ ዝተዛረቦ ቓል፡ ናብ’ዚ ምድሪ’ዚ ዝመጻሉ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ዜነጽረልና’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “እቶም ውሉድ (እዳም) ስጋን ደምን ዝዀነሉ ዕላማ) ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ድያብሎስ ምእንቲ ኺሶር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮት ኰይኖም ዝንበሩ ኸኣ ሓራ ምእንቲኼውጽእ ኢሉ’ዩ።” ብምባል እግዚኣብሄር ወልድ ስጋ ለቢሱ ኢየሱስ ኰይኑ ዝተገልጸሉ ዕላማ ገሊጹልና ኣሎ (እብ 2፡14,15 ካ.ት)።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በታ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝፈጸማ ሞትን መስዋእትን ካብ ኣዳም ክሳዕ መዓልቲ ምጽኣት ንዝነበሩን ንዚነብሩን ኵሎም ሰባት ድሮ ሃራ ኣውጺእዎም’ዩ። ንሓርነትና ብዚምልከት ብጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪግበር ዚግብኦ ዅሉ ተገኡሩስ ተወዲኡ’ዩ። ዚተርፍ ዘሎ እቲ ንገዛእ ሓርነትና ብኣና ኺግበር ዚግብኦ ጥራሕ’ዩ። ከም’ቲ ድያብሎስ ኣስሒቱን ኣስገዲዱን ባሮት ሓጢኣትን ሞትን ገይሩ ዜንብረና፡ ክርስቶስ ልክዕ ከም ድያብሎስ፡ ብኣስገዳድ ሕራ ኣየውጽኣናን’ዩ። ነቲ ባዕሉ ኺፈጥረና ኸሎ ዝሃበና ናይ ነጻ ፍቓድን ምርጫን ስልጣን የኽብሮን ይዕቅቦን’ምበር፡ ኣይጠዓሰሉን ኣይግህሶን ድማ’ዩ። ይትረፍ ነቶም ኣብ ናይ ድያብሎስ ደምበ ሓጢኣት ዘለው፡ ነቶም ኣብ ናቱ ደምበ ጽድቂ ንዘለው’ውን ምርጫኦምን ፍቓዶምን የኽብረሎም’ምበር፡ ኣየገድዶምን’ዩ። ስለዚ ናብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ሓርነት፡ ባዕላትና ፈቲናን መሪጽናን ጥራሕ ኢና ‘ንኣትው። ብቢልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ ዘመን ሓርነት ኣብ ትሕቲ ሕሱም ባርነት ሓጢኣት ኪነብሩ ዚገብሮም ዘሎ፡ ባዕላዊ ምርጫኦም’ምበር፡ ክርስቶስ ሓራ ስለ ዘየውጽኦም ኣይኰነን። ብክርስቶስ ኣሚኑ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ውልድነት ኣምላኽ ዝተቐበለ ሰብ፡ ካብ ማእሰርትን ባርነትን ናይ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ’ዩ። እቲ ናይ ነጻ ምርጫን ነጻ ፍቓድን መሰሉን ስልጣኑን ተመሊሱሉ ሓራ ፍጥረት’ዩ። ባዕሉ ተመሊሱ ፈትዩ እንተ ዘይገይርዎ፡ ብዘይ ፍቓዱ ኣገዲዱ ሓጢኣት ኬግብሮ ዚኽእል ሓይሊ የለን። ከይፈለጠን ከይፈተወን ተዓንቂፉ ናብ ሓጢኣት እንተ ወደቐ ድማ፡ ካብ’ቲ ብዘይ ፍቓዱ ዝጠበቖ ሓጢኣት ዚናገፈሉ ናይ ንስሓ ጸጋ ተዋሂብዎ ስለ ዘሎ፡ ንህይወት ዚኸውን ሓቀኛን ዘየጣዕስን ንስሓ ብምእታው ናብ’ታ ናይ ቅድም ሓርነቱ ኺምለስ ይኽእል’ዩ።
ነዚ ብክርስቶስ ዝተዋህበና ሓርነት ፍሉይን ክቡርን ዚገብሮ እንታይ’ዩ፧ ነዚ ብክርስቶስ ዝተረኽበ ሃርነት ዚመስል ካልኣ ሓርነት ስለ ዘየልቦ፡ ከም መረዳእታ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ዝዀነ ዓይነት ሓርነት ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። ክርስቶስ ሓራ ኼውጽኣና ኸሎ ካብ ባርነት ናይ ሰይጣን ናብ ውልድነት ናይ ኣምላኽ’ዩ ዜሰጋግረና። ሓራ ኣውጺኡ ግን ጓኖት ገይሩ ዚገድፈና እንተ ዚኸውን፡ ካብ’ቲ ዝዀነ ሰብ ኪህቦ ዚክእል ሓርነት፡ ዝዀነ ፍሉይነት ኣይምሃለዎን’ነይሩ። ሰባት ንኻልኦት ሰባት ባሮቶም ገይሮም ኪገዝእዎም ጸኒሖም፡ ሓርነት ሂቦም ኬፋንውዎም ከለዉ፡ “ናብ ዝደለኻዮ ኺድ፡ ድሕሪ ሕጂ ካብ መግዛእተይ ነጻ ኢኻ” ኢሎም፡ ምናልባት’ውን ገለ ቝሩብ መጣየሲስ ሂቦም’ዮም ዜፋንውዎም። ነቲ ባርያኡ ዝነበረ ሓርነት ሂቡ ወዱ ዚገብሮን፡ ማዕረ ደቁ ናይ ርስቲ መሰል ዚህቦን ግን፡ ሓደ’ኳ የልቦን። ስለ’ዚ ዝዀነ ኻልእ ሰብ ሒዙ ናብ ካልእ ባርነት ኪሸጦ፡ ወይ ገዛእ ባርያኡ ኺገብሮ፡ ወይ’ውን እቲ ባርያ ባዕሉ ምግብን መጽለልን ምእንቲ ኺረክብ ርእሱ ንባርነት ኪሸይጥ ይኽእል’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ብክርስቶስ ዚርከብ ሓርነት ዚገልጽ ኵሉ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ባርነትን ውልድነትን እና’ነጻጸረ’ዩ ዚገልጽ (ዮሃ 8፡35 ፣ ሮሜ 8፡14,15 ፣ ገላ 4፡7)። ብክርስቶስ ዘይምእማንን ብክርስቶስ ኣሚንካ ኸተብቅዕ ኣብኡ ጸኒዕካ ዘይምንባርን ንዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዜፍርደሉ ምኽንያት ከኣ ንናይ ክርስቶስ ሓርነት፡ ንውልድነት ኣምላኽ ተጸዩፍካ ንባርነት ሰይጣን ኣኽቢርካ ናይ ምንባር ኣጋንንታዊ ምርጫ ስለ ዝዀነ’ዩ። ንናይ ክርስቶስ ሓርነት ዘይምጽላይ፡ እቲ ዝኸፍአ ሃስያኡ ንገዛእ ርእስኻ’ኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ናብ ኣምላኽን ዜመሓላልፎ ግብራዊ መልእኽቲ ግን ኣዝዩ ኽፉእን ንሰይጣን ኣኽቢሩ ንእምላኽ ዜቃልል ከቢድ ናይ ድፍረት ኣበሳ፡ዩ
ብኸመይ ኢና ብሓርነትና ኽንሓጥእ ‘ንኽእል፧ ብሓርነትና፡ ኽንሓጥእ ‘ንኽእል እንተ ዄንና ደኣ፡ እቲ ሓርነትና ኣብ ምንታይ’ዩ፧ እዚ ሕቶ’ዚ “ንርእሱ መልሲ’ዩ” ኺበሃል ዚኽእል። “ካብ ባርነት ሓጢኣት ሃርነት ረኺበ” እናበልካስ፡ ካልእ መሕጥኢ ምኽንያት ከም ዝተሳእነ፡ በቲ ንኣምላኽ መሪር ዋጋ ዘኽፈሎ፡ ሞት ቅዱስ ወዱ ዝጠለቦ ሓርነትካ ምሕጣእ፡ ብዘይ ቃል ዓለም ኣዝዩ መሪርን ከቢድን ኣበሳ’ዩ። ይዕበይ ይንኣስ፡ ሃጢኣት ኵሉ ጊዜ ሓጢኣት’ዩ። ዓስቡ ድማ ኵሉ ጊዜ ሞት’ዩ። ካብ ባርነት-ሓጢኣኣት ገና ዘይተላቐቐ ሰብ ኪሓትእን፡ ካብ ባርነት ሃጢኣት ብሞት ክርስቶስ ተላቒቑ ሃራ ዝወጸ ሰብ ኪሓጥእን ከሎ ግን ንኽልቲኡ ሓጢኣት ብሓደ ዓይኒ ኽትርእዮን ከተመሳስሎን ኣይከኣልን፡ ኣይግባእን ከኣ’ዩ። እቲ ገና ባርያ ዘሎ፡ እቲ ጐይታኡ ዝበሎ ኺገብር ናይ ግድን’ዩ። ምኽንያቱ ንሓጢኣት ዜግድፍ ምኽንያትን ዓቕምን የብሉን። እቲ ድሮ ነቲ ኽቡር ሓርነት ረኺብዎን ውልድነት ኣምላኽ ተቐቢሉን ኬብቅዕ፡ ተመሊሱ ኸም ከልቢ ትፋኡ ዜልምጽን፡ ከም ሓሰማ ተሓጺቡ ኣብ ሓመድ ዜንገርግርን ሰብ ግን፡ ብሓርነቱን ብደም ክርስቶስን ብሰማያዊ ውልድነቱን ይሓጥእ ስለ ዘሎ ኣበሳኡ ኣዝዩ ኸቢድ፡ ሳዕቤኑ ኸኣ ኣዝዩ መሪር’ዩ ዚኸውን፡
“ፍልተት ሓቂ ምስ ተቐበልና (ሓርነት ምስ ረኸብና) ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና ደጊም (ድሕሪ ሕጂ) ምእንቲ ሓጢኣት ዚቐርብ (ካልእ) መስዋእቲ የልቦን። ኣብ ክንድኡ (ኣብ ክንዲ መስዋእቲ) ግና ፍርድን ነቶም ንኣምላኽ (በቲ ናይ ፍታው ሓጢኣቶም) ዚጻረሩ ሰባት ዚበልዕ ብርቱዕ ሓውን ኢና ብራዕዲ እንጽበይ። . . . (በቲ ፈትዩ ዚገብሮ ሓጢኣት ነቲ ሓራ ዘውጽኦ) ወዲ ኣምላኽ (ዝረገጸ)፡ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ነቲ ጸጋ ዚህብ (መንፈስ ቅዱስ’ውን) ዝጸረፈ (ክርስትያን) ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቅጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧ . . . (ብፍርዲ) ኣብ ኢድ ናይ’ቲ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜስካሕክሕ’ዩ።” እብ 10፡26-31 ካ.ት
“(ምኽንያቱ) ሰባት ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ ካብ ርኽሰት ዓለም መሊቖም (ሃራ ወጺኦም ኬብቅዑ)፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ (ብዓለም) ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ (ባሮት ሓጢኣት እንተ ዀኑ) ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም’ዩ ዚገድድ። ንሳቶም እናፈለጡ ኻብ’ቲ ዝተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ (ካብ መጀመርታኡ) ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዎ ምሓሾም ነይሩ፡ . . . “ 2ጴጥ 2፡20-22 ካ.ት
እቲ ንኽልቲኡ ዓይነት ህይወት፡ ንባርነት ናይ ሓጢኣትን ንሓርነት ናይ ክርስቶስን ብግብሪ ዝጠዓሞ ሰብ፡ ምርጫኡ ገልቢጡ፡ ካብ ሓርነት ናብ ባርነት ኪምለስ እንተ መሪጹ፡ ውሳኔኡ ዀነ ግብሩ ብኸመይ ከም ዚትርጐም እዚ ሃዋርያዊ መልእኽታት ብንጹርን ስእላውን መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ። ቃል ብቓላ፡ “ነታ ሓርነት እንተ ዘይፈልጣን እንተ ዘይጥዕማን ምሓሸ” ኢሉና’ሎ። ብሓርነትካ ምሕጣእ ማለት ንኣምላኽ ምርግጋጽ፡ ምርካስ፡ ምጽራፍ ማለት’ዩ።
ብኸመይ ብሓርነት ኸም ‘ንሓጥእ መሪሕ ጥቕስና ኣሚቱልና ኣሎ። ንሓድሕድካ ብፍቕሪ ምግዝዛእ፡ ንሓርነትካ ምኽባር’ዩ። ነቲ ብሞት ክርስቶስ ዝተዋህበካ ፍቕሪ ደርቢኻ፡ ብባእስን ህልኽን ጽልእን ቂምታን ክትዋሳእ እንተ ፈቲንካ ግን፡ ነቲ ሓርነትካ ትሓጥኣሉ ኣለኻ ማለት’ዩ። ንመሪሕ ጥቕስና ስዒቡ ተጻሒፉ ዘሎ ካብ 14-26 ዘሎ ጥቕስታት፡ ከምኡ’ውን ገላ 6፡1-5 ዘሎ ጥቕስታት እንተ ኣንቢብናዮ፡ ንሓርነትና እነኽብረሉን እነዋርደሉን ኵሉ ዝርዝራት ተዋሂቡና ኣሎ። ብክርስቶስ ሓራ ዝወጻእና ክርስትያን ክነስና፡ ነቶም ግብረ ስጋ ተሰምዮም ዘለው ዜጸይፉ ግብርታት ነዘውትር እንተ ዄንና ነቲ ሓራ ዘውጽኣና ኽቡር ወዲ ኣምላኽን፡ ነቲ ብሞቱን ብደሙን ዝሃበና ሓርነትን ረገጽቱ ንኸውን ኣለና። ፍረ-መንፈስ እንተ ኣዘውቲርና ግን መኽበርቲ ጐይታኦምን ሓርነቶምን ንኸውን። ቅዱስ ጴጥሮስስ’ውን ነዚ ንሓርነትና ዚምልከት ሓቂ ብከም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ነቶም ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ (ካብ ኣምላኽ) ዝተላእኩ መኳንንቲ ተገዝእዎም። (ምኽንያቱ) ሰናይ እናገበርኩም፡ ንዕሽነት ናይ’ቶም ደናቑር ሰባት ክትዓብሱ ፍቓድ ኣምላኽ’ዩ። ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ (ከም ውጽኣት ሓራ) ብሓርነት ንበሩ’ምበር፡ ከም’ቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍእት ዚገብርዎ ኣይትዅኑ፡ ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፡ ንኣምላኽና ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ፡ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።” 1ጴጥ 2፡14-17 ካ.ት
ሰናይ ዚገብር ሰብ፡ መኽበር ሓርነቱ’ዩ። እዚ ንሓርነትና ዜኽብር ሰናይ ግብሪ፡ ብዝበለጸ ውጽኢታዊ ዚኸውን፡ ሰባት ብዕሽነትን ድንቍርናን ተደሪኾም ኣብ ዚብድሉና እዋን ምስ ዚበዝሕን ምስ ዚዝውተርን’ዩ። ናይ ብሓቂ ውጽኣት ሓራ ምዃንና መለለዪ ምልክትና፡ እቲ ኣንጻር ኵሉ መሰናኽላት ብጽንዓት እነዘውትሮ፡ ሰናይ ባህርይን ግብርን’ይ። ናይ ሰባት እከይ ግብሪ፡ ካብ’ቲ መንፈሳዊ መትከልና ኣዘናቢሉ ብእኩይ ግብሪ ኽንምልስ ዚድርኸና እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሓርነትና ኸም መጐልበቢ ኽፋት እናጥቀመሉ ገና ኻብ ባርነት ዘይተላቐቕና ግቡዛት ክርስትያን ምዃንና ዜቃልዓና’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቶም ኵሉ ምብላዕ ከም ዝተፈቕደሎም ዘይኣምኑን ዘይበልዑን ሰባት፡ ብብልዖም ከም ዚዕንቅፍዎም ምስ ፈለጠ፡ ብሓርነቶም ኣብ ልዕሊ ሰባትን ኣብ ልዕሊ ክርስቶስን ይብድሉ ኸም ዘለው ብኸቢድ ሃይለ ቃል ገሊጽዎም ኣሎ (ሮሜ 14፡1-3,13-23 ፣ 1ቈረ 8፡8-13 ፣ 10፡23-33 ፣ 1ጢሞ 4፡2-5 ፣ ቲቶ 1፡15)። ብዝዀነ ይኹን ኣርእስቲ፡ ብሓርነትና ኣብ ልዕሊ ሰብ ኰነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንሓርነትና ኺብል ዝተሰውአ ክርስቶስ ከይንሓጥእ ክንጥንቀቕ ይግብኣና።
እምበኣር ምልስ ኢልና ሕሉፍን ህልውን ህይወትና ንመርምር። ነቲ ብሞት ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ኽቡር ሓርነትና ብኸመይ ሒዝናዮ ኸም ዘለና ብዕምቈት ንፈትሽ። ብመስዋእቲ ክርስቶስ ሓርነት ዝተዋህበና ክርስትያን ህዝቢ ኽነስና፡ ገና ኣብ ትሕቲ ባርነት ሓጢኣት ተጸሚድና፡ ብሓርነትና ንሃጥእ፡ ነቲ ሓራ ዘውጽኣና ጐይታ ብሓጢኣትና ነቕውስሎ እንተ’ሊና፡ ብሓቀኛ ንስሓ ናብ ሓርነትና ንመለስ። ነቲ ጐይታ ብመስዋእቱ ዘጐናጸፈና ሓርነት ዓቂብናዮ፡ ከም ውጽኣት ሓራ ዄንና ንሓርነትና ብግብሪ ንነብሮ እንተ’ሊና ድማ መሪሕ ጥቕስና ተጣሕጺኑና ኸም ዘሎ፡ ኣብ ሓርነትና ንጽናዕ፡ ዳግማይ በርዑት ባርነት ከይንቝረን ንተንቀቕ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
23 የካቲት 2025 | የካቲት 15, 2016 ግዕዝ (መበል 24 ሰንበት: ቊ.፳፬/24) |
||
ምስባክ መዝ. መዝ.፪፡፲-፲፪ “ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት። ወተኃሠዩ ሎቱ በረዓድ። አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዓዕ እግዚአብሔር።” ዓዲ፡ መዝ.፺፱(፻)፡፫-፭ “ንሕነሰ ሕዝቡ ወአባግዐ መርዔቱ። ባኡ ውስተ አናቅጺሁ በተጋንዮ። ወውስተ አዕፃዲሁ በስብሐት እመንዎ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ገላ 5፡13-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 4፡1-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 15፡25-35 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 3፡10-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ