S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብሓርነትኩም ኣይትሕጥኡ (መበል 24 ሰንበት: ቊ.፳፬/24, 2025 | 2017 ግዕዝ

ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር፡ ርስቶስ ሓራ ኣውጺኡናዩ። ስለ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። . . . ኣሕዋተይ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም። እንተ ዀነ ንሓድሕድኩም ደኣ ብፍቕሪ ተገዛዝኡምበር፡ ነዚ ሓርነትኩምሲ ንሓጢኣት ምኽንያት ኣይትግበርዎ።ገላ 51,13 .

እንሆ ዕለት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሻድሻይን ናይ መወዳእታን ሰንበት፡ ከምኡ ድማ ቀዳማይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾምዩ። ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ናይ መወዳእታ ሰንበት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዋዜማ ናይ ምእታው ዓብይ ጾምውን ስለ ዝዀነ፡ መላግቦ ናይ ክልተ ኣገደስቲ ዘመናትዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ቐዳማይ ሰንበት ናይ ንኣትዎ ዘለና ዓብይ ጾም፡ዘወረደይብሃል። ደጊም ካብ ዘመነ ኣስተርእዮ ናብ ዘመነ ጾም ንሰግር ኣለና። ነዚንኣትዎ ዘለና ጾም፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ዓብይ ጾም፡ ርእሰ ኣጽዋማት፡ ጾመርብዓ፡ ጾመ ኢየሱስኢላ ብዝተፈላለየ ስማትን ቅጽላትን ትጽውዕዕ፡ እቲዓብይ ጾምን ርእስ ኣኣጽዋማትንዚብል መግለጺ ቕጽላት፡ በቲ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነ ዓብዪ ጐይታ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተጾመ ጾም ስለ ዝዝዀነ ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ኣጽዋማት ከም ዚስራዕን ንዕብየቱ ዚምጥንን ክብሪ ኺወሃቦ ኸም ዚግባእን ዜመልክተናዩ። ብክርስቶስ ከምንኣምን ክርስትያን ህዝቢ መጠን፡ እብ ጐይታና ምእንቲ ድሕነትናን ኣርኣያናን ዘካየዶ ናይ ጾም ገድሊ ኽንሓብሮን ኣርኣያኡ ኽንስዕብን ክርስትያናዊ ሓላፍነትናዩ። ጐይታና ብቕዱስ ዮሃንስ ተጠሚቑ ኻብ ርባ ዮርዳኖስ ምስ ወጸ፡ ናይ ወንጌል ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ ብናይ መንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ብድያብሎስ ኪፍተን ናብ በረኻ ወጸ። ብዘይ ጾምን ጸሎትን ንናይ ሰይጣን ፈተና ኽንስዕሮ ኸም ዘይንኽእል ኣርኣያ ምእንቲ ኺህበና ኸኣ፡ ዘይከማና 40 መዓልትን 40 ለይትን ዚስተይ ይኹን ዚብላዕ ከይለኸፈ ምስ ድያብሎስ ከቢድ ገድሊ ተጋደለ (ማቴ 411-11 ማር 112,13 ሉቃ 41-13) ኣብ ናይ ሓበሻ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝውቱር እንተ ዘይኰነኳ፡ ኣብ ኣሓት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያን፡ ኵሎም ማዕርግ ክህነትን ማዕርግ ጵጵስናን ዝተቐበሉ ኣኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንና ድሕሪ ሲመቶም ናብ ገዳማት ወሪዶም ከም ጐይታኦም ናይ 40 መዓልታት ሱባኤ ኺኣትው ምርኣይ ዝውቱርዩ። ኣብፍኖተ ህይወትዝተሰምየ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ናይ መሰረተ እምነት መጻሕፍትና ብስፍሓትን ብዕምቈትን ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ካብቶም ግብረ ኣምልኽዕ እንፍጽመሎም ኣርባዕተ ስነ ምግባራት ሓደ፡ ጾምዩ። ስለ ምእመን ይኹን ኣገልጋሊ፡ ልክዕ ከም ጐይታናን ከም ቅዱሳን ነብያቱን ቅዱሳን ሃዋርያቱን፡ ብጾምን ጸሎትን ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ፡ ኺገብር ይግብኦ። ጾም፡ ብገዛእ ፍቓድና ንገዛእ ስጋና ኣድኪምና፡ ኣብምሳያኡ ግን ካብ እግዚኣብሄር ንጽድቂ ዚኸውን መንፈሳዊ ሓይሊንልምነሉንንቕበለሉን መንፈሳዊ ስነ ምግባርዩ። ስሩዕ ዝዀነ ኣዘውቲርካ ዚግበር ኵሉ ስነ ምግባር፡ ከም ልማድ ተወሲዱ ልማዳዊ ናይ ምዃን ልዑል ሓደጋ ኣለዎ። ጾም ዚኣክል ዓብዪ ስነ ምግባር፡ ብልማዳዊ ኣገባብ እንተ ተታሒዙ ናምላኽ ዜጕህዮ ንሰብ ከኣ ዚሃስዮ ኸንቱ ስነ ምግባር ኰይኑ ዚተርፍ። እቲ ሃስያኡ ድማ ብስጋን ብመንፈስን ስለ ዝዀነ ድርብ ሃስያ ዚኸውን። እቲ ሓቀኛን ኣምላኽ ዚቕበሎን መንፈሳዊ ጾም፡ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ዚጽወምን ብግብሪ ጽድቂ ዝተሰነየን ዝማዕረገን ጾምዩ። ልማዳዊ ወይ ባህላዊ ጾም ግን ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንርእስኻ ኢልካ ዚወጽም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብሓጢኣት ዝተበከለን ዝጋዕዘየን ጾምዩ። እግዚኣብሄር ንኸም ዝዓይነቱ ጾም ኣዝዩ ኸም ዚጽየፎን፡ እንታይ ዝዓይነቱ ጾም ከም ዚቕበልን ከም ዜሓጕሶን ደጋጊሙ ብግብርን ብቓልን ገሊጹልና (ኢሳ 581-12 ዘካ 71-14 816-19 ዮና 31-10)

ነዚዘወረደዝተሰምየ ቐዳማይ ሰንበት ዝተሰርዐ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ተቀነዪ ለእግዚኣብሄርዘርእስቱዩ። እዚ መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ፡ በቶም ነዚ ዕለት ዝተሰርዑ ክልተ ናይ መዝሙር ዳዊት ምስባክን ብኻልኦት ጥቕስታትን ዝተሃንጸን ዝቘመንዩ።

እምበአርሲ ኣቱም ነገስታት፡ ለብሙ፡ ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን፡ ተኣረሙ። ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፡ ብረዓድ ከኣ ተሓጐሱ። ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፡ ንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።” (መዝ 210,12

እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፡ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፡ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና። ኣብ ደጌታቱ ብምስጋና፡ ኣብ ኣጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፡ ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ጸጋኡ ንዘለኣለም፡ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።መዝ 1003-5

ጾም ክንጸውም፡ ብጻይና ኸነፍቅር፡ ንሓድሕድና ኽንፋቀር፡ ጽድቂ ኽንገብር፡ ነታ ምንእቲ ሰብ ዝተፈጥረት ሰንበት ከነኽብር ዚምሕጸን፡ ነቲ እግዚኣብሄርናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረክቡ ሰንበተይ ኣኽብሩ፡ ነቲ ሰላም ዚህብ ቃለይ ሓልውዝበሎ ቓል ከነኽብር ዜዘኻኽር መዝሙርዩ። እቲ ብመሰረት መዝሙር ዝተሰርዐ፡ ናይ ዮሃ 310-21 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ነቲዘወረደዚብል ናይ ሰንበት መጸውዒ ዚገልጽዩ። ጐይታና ምስ ኒቆዲሞስ ብዛዕባ ዳግም ልደት ኪዘራረብ ከሎ፡ ብዛዕባ ኻብ ሰማይ ምውራዱን ብዛዕባ ኣብ ኵሉ ዚርከበሉ ናይ ምልኣት ህላወኡ መለኮታዊ ባህርይ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹ ኣሎ።

ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮውን ንምስክር ኣለና። ነቲ ምስክርና ግና ኣይቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ገርኩም ክትኣምኑ፧ ብዘይካ ኻብ ሰማይ ዚወረደ፡ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሕእደ የልቦን።ዮሃ 311-13

ኣብ ካልእ ክፍልታት ናይ ወንጌልውን ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ፡ ካብ ኣቦ ተላኢኹ ኸም ዝመጸ፡ ካብ ላዕሊ ካብ ኣምላኽምበር ካብ ዓለም ከም ዘይኰነ፡ ደጋጊሙ ገሊጹኣሎ (ዮሃ 638 728,29 842) ካብ ሰማይ ስለ ዝወረደ ነቲ ግብሪ ምድሓን ኪፍጽም ካብ ከኣለ፡ ናብ ናይ ሞትንትንሳኤን ኣርእስቲ ቕድሚ ምእታው፡ ነዚ ዘመነ ጾም በቲ ኻብ ሰማይ ናይ ምውራዱ ሓሳብ ኽንጅምሮ ግቡእዩ። ናይ ዕለት ኣርእስትና ኸኣ ካብ ናይ ገላ 513-26 ንባብ ዝተወስደዩ። ምኽንያቱ ንሕና ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ሓርነት ብሞቱን ትንሳኤኡን ዝተዋህበና ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ሓርነትና ብኸመይ ከምንዕቅቦን፡ ብኸመይ ንኽብሪ ኣምላኽን፡ ንናይ ርእስና መንፈሳዊ ረብሓን ኸምንጥቀመሉ ኽንፈልጥ ይግብኣናዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባንታይ ዝዓይነቱ ሓርነት ዚዛረብ ዘሎ፧ ክርስቶስ ሓራ ዜውጽኣና፡ ናይ ምንታይን ናይ መንን ባሮት ስለ ዝነበርናዩ፧ ብመሰረቱ ብዛዕባ ሓርነት ኰነ ብዛዕባ ባርነት ክንዛረብ ከለና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊምበር፡ ብዛዕባ ስጋዊ (ኣካላዊ) ወይ ፖለቲካዊ ባርነት ንዛረብ ከም ዘየለና ብሩህ ኪኸውን ይግባእ። ስለ መንፈሳዊ ሓርነትን መንፈሳዊ ባርነትን ኣሎ ማለትዩ። ቅዱስ ወንጌል ብኣምላኽ ዝተዋህበናን ዚስበኸልናን ዘሎ፡ ነዚ ዘለኣለማዊ መጻኢና ዚውስን መንፈሳዊ ኣምር (Concept) ጽቡቕ ጌርና ምእንቲ ኽንርድኦዩ። ኣብ ምድሪዚኣ መንፈሳዊ ሓርነት ዘይረኸበን ብሓርነት ዘይነበረን ሰብ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዚጽበዮ ዘሎ ዘለኣለማዊ መጻእን ዕድመን ኣብ ኪግለጽ ዘይክእል ናይ ስቓይ ባርነት ዜሕልፎ። ናይ ዕለት ኣርእስትናን ትምህርትናን ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ኣይሁድ ንጐይታናን ብዘይሕለል ህልኽ ብጽኑዕ ዚከታተልዎ ህዝቢዮም ነይሮም። ሓደ እዋን እናተኸራኸርዎ ኸለው፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዝነበረ ቃል ጸጋን ምስጢርን ተገሪሞም፡ ገለ ኻብኣቶም ኣኣመንዎ። ጐይታና ድማ ነቶም ብእኡ ዛመኑ ኣይሁድ፦ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።ንሓቂ ኽትፈልጥዎ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩምያ።በሎም (ዮሃ 830-32) እንተ ዀነ እዞም ዛመኑ ዚመስሉ ሰባት፡ ብዛዕባ ጐይታ ዚዛአበሉ ዝነበረ ሓርነት ዝዀነ ዓይነት ርድኢት ስለ ዘይጸንሖም፡ ብዘይ ጽቡቕ ስምዒት፡ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኴንና እተግዛእናዮ ከቶ የብልናን፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ሓራ ኽትወጹ ኢኹምትብለና ዘለና፧ኢሎም መለሱሉ (833) እዚ መልሶም ብዛዕባ ጐይታ ዚዛረበሉ ዘሎ ኣርእስቲ ዝዀነ ኣፍልጦ ኸም ዘይነበሮም ዜመልክተናዩ። ጐይታና ድማ፦ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሃጢኣትዩ። ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት (ጐይታኡ) ንዅሉ ጊዜ ኣይነብርንዩ። ውሉድ ግና (ኣብ ቤት ኣቦኡ) ንዅሉ ጊዜ ይነብር። ስለ ወልድ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም (ናይ) ብሓቂ ውጽኣ ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። . . . “ ኢሉ መለሰሎም (ዮሃ 834,35) እዚ ብእግዚኣብሄር ወልድ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዚርከብ ሃርነት፡ ካብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ እንወጽኣሉ ምሉእ ብምሉእ መንፈሳዊ ሓርነትዩ። ንሳቶም ግን፡ ሓሰውቲ ደኣ ዀይኖምምበር፡ ብድርብ ባርነት ዚነብሩ ዝነበሩዮም። ብሓጢኣኣት ኣብ መንፈሳዊ ባርነት፡ ከምኡ ድማ ብፖለቲካ ባሮት ሮማውያን ኰይኖም ይነብሩ ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስውን ነቶም ኣብ ሮማ ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነዚ ናይ ጐይታና ቓል ደጊሙ ጽሒፍዎ ኣሎ።

ከም እዙዛት ባሮት ኴንኩም ገዛእ ርእስኹም ንሓደ (ኣካል) እንተ ኣግዛእኩም፡ ባሮት ናይ እትእዘዝዎ (ኣካል) ከም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከምኡ ኸኣ (ባሮቱ ዄንኩም) ንሓጢኣት እንተ ተኣዘዝኩም ናብ ሞት ኪመርሓኩምዩ፡ ንእግዚኣብሄር እንተ ተኣዘዝኩም ግና (ብሓርነት) ናብ ጽድቂ ኺመርሓኩምዩ። ቀደም ባሮት ሓጢኣት እንተ ነበርኩም፡ ነቲ ብሕድሪ ዝተዋህበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺእኩም ከኣ ንጽድቂ ስለ ዝተገዛእኩም፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። . . . ባሮት ሓጢኣት ኣብ ዝነበርኩምሉ፡ጽድቂ ኽንገብር ይግብኣናዚብል ስክፍታ እይነበረኩምን። ካብ ሕጂ እትሕእፍሩሉ ዘለኹም (ሓጢኣት) እንታይ እፍሬኹ፧ መወዳእታ ናይ (ሓጢኣት)’ቲ፡ ሞትዩ። ሕጂ ግና ካብ (ባርነት) ሓጢኣት ሓራ ወጺእኩም፡ ንኣምላኽ ስለ ዝተገዛእኩም፡ ቅድስና ፈሪኹም ኣለኹም።ሮሜ 616-18,20-22 .

ስለ ሓጢኣት ከነዘውትር ከለና፡ ናብ ህልም ዝበለ መንፈሳዊ ባርነት ኣቲና ከም ዘለና ኽንፈልጥ ይግባእ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣስዒቡ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ባዕላትና ፈቲና ናብ ባርነት ሓጢኣት እንተ ኣቲና፡ ኣብ ልዕሌና ዚገዝእ ንባርነትና ዜመሓድር ሕጊ፡ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን”’ ዚብሃል (ሮሜ 82 .) ፈቲና ሓንሳእ ናብ ባርነት ሃጢኣት ምስ ኣተና፡ ክርስቶስ ሓራ እንተ ዘይኣውጺኡና፡ ንፍታው ንጽላእ ሓጢኣት ካብ ምግባር ከነቋርጽ ኣይንኽእልን ኢና። ሓጢኣት ሓንሳእ ኣብ ልዕሌና ምስ ነገሰ፡ እቲ ንጉስና ሃጢኣኣት እንታይ ከምንገብር ዚውስንምበር፡ ንሕና ባዕላትና ኣይኰንናን እቲ ሓቂ ኸምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣዩ፡ባርነትዝተሰምየ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኽውንነት ኣዝዩ ብዜደንቕ ስእላዊ ኣገባብ ገይሩ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። ሕጂ፡ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣነ ግና ንሓጢኣት ዝተሸጠ ስጋዊየ። ስለ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦንየ። (ምኽንያቱ) ነቲ ዝጸልኦ (ሓጢኣት)’ ዝገብሮ ዘለኹምበር፡ ነቲ ዝደልዮ (ጽድቂ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እምስክር ኣለኹ። እምበኣር እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት ዚገብሮ ዘሎምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣሎኒምበር፡ ምግባር ሰናይሲ የብለይን። ስለ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ።ሮሜ 714-18 .

ባርነት ይብሉኻ ከምዩ። መዘዙን ሳዕቤኑን ከይፈለጥካ ብየዋህነት ሓጢኣት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ስጋኻ ምስ ኣግዛእካዪ፡ ነኢ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ዝሃበካ ናይ ነጻ ምርጫን ነጻ ፍቓድን መሰልካን ስልጣንካን ገፊፉ፡ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ምርጫ ዘይብልካመንፈሳዊ ባርያገይሩ ኺገዛካ ይነብር።ሓጢኣት ኣይትግበር፡ ጽድቂ ግበርዚብል ትምህርትን ትእዛዝን ተዋሂቡናስ፡ ንኽልቲኡ ምግባር ዓቐበት ኰይኑና ዝተሸገርናሉ እዋን ኪቝጸር ዘይከኣል ብዙሕዩ። ብገለ ዚተቅምን ዘይጠቅምን ምኽንያት ምስ ሓድሕደ ሰባት ንጸላእን ንቕየምንሞ፡ንዑ ተዓረቑዚብሉ ለባማት ሸምገልቲ ተረኺቦም ኪዓርቁና እንተ ተጋደሉ፡ እምብዛ ሓንጊድናጽልእን ቂምታን ዜሕሸኒ፡ ፍቕርን ሰላምን ሕድገት ምግባርን ግን ንኣይ ነውሪዝመልክእኽቱ ሰይጣናዊ መርገጺ ንወስድ። ባርነትን ማእሰርትን ዚበሃል እዚዩ። እቲ ግብርና እምብዛ ኸም ዜኽፍኣልና እናተረድኣናኳ፡ ነቲ ዜሕሸናን ዚተቕመናን ጥዑይ ኣማራጺ ንምግባር ግን ዓቕሚ ንስእን። ምኽንያቱ ርእስናን ንሓጢኣት ሼጥና፡ ናይ ሰይጣን ንብረትን ባርያን ጌርና ኢና። ወረቐትናን ጊዜናን ስለ ዘይኣኽለናምበር፡ ብዙሕ ካልእ ዝውቱር ኣብነታት ኪጥቀስ ምተኻእለ ነይሩ።

ክርስቶስ ከመይ ገይሩ ኻብ ባርነት ሓራ ዜውጽኣና፧ ሓራ ዜውጽእ እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ንምንታይ ነዚ ዅሉ ኣብ ሓጢኣት ጥሒሉ ዚነብር ዘሎ ህዝቢ ዓለም ሓራ ዘየውጽኦ፧ ጐይታና ኻብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ኻብ ቅድስቲ ድንግል ተወሊዱ ወንጌል ዝመሃረ፡ ኣብ መወዳእታውን ምእንታና መሪር መከራን ሞትን ተቐቢሉ ብዓወት ዝተንስአ፡ ካብ መራር ባርነትዚኣ ሓርነት ሂቡ ውሉድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺገብረናዩ። እዚ ድማ ኻብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዝተነግረ ትንቢታዊ ሃቂ (ኢሳ 61’1-3) ኣብ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ ዮሃ 826 ትቕሲ፡ ነቲ ጐይታና ብዛዕባ ርእሱ፡ወልድ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹምኢሉ ዝተዛረቦ ቓል፡ ናብ ምድሪ ዝመጻሉ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ዜነጽረልናዩ። ቅዱስ ጳውሎስውን እቶም ውሉድ (እዳም) ስጋን ደምን ዝዀነሉ ዕላማ) ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ድያብሎስ ምእንቲ ኺሶር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮት ኰይኖም ዝንበሩ ኸኣ ሓራ ምእንቲኼውጽእ ኢሉዩ።ብምባል እግዚኣብሄር ወልድ ስጋ ለቢሱ ኢየሱስ ኰይኑ ዝተገልጸሉ ዕላማ ገሊጹልና ኣሎ (እብ 214,15 .)

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በታ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝፈጸማ ሞትን መስዋእትን ካብ ኣዳም ክሳዕ መዓልቲ ምጽኣት ንዝነበሩን ንዚነብሩን ኵሎም ሰባት ድሮ ሃራ ኣውጺእዎምዩ። ንሓርነትና ብዚምልከት ብጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪግበር ዚግብኦ ዅሉ ተገኡሩስ ተወዲኡዩ። ዚተርፍ ዘሎ እቲ ንገዛእ ሓርነትና ብኣና ኺግበር ዚግብኦ ጥራሕዩ። ከም ድያብሎስ ኣስሒቱን ኣስገዲዱን ባሮት ሓጢኣትን ሞትን ገይሩ ዜንብረና፡ ክርስቶስ ልክዕ ከም ድያብሎስ፡ ብኣስገዳድ ሕራ ኣየውጽኣናንዩ። ነቲ ባዕሉ ኺፈጥረና ኸሎ ዝሃበና ናይ ነጻ ፍቓድን ምርጫን ስልጣን የኽብሮን ይዕቅቦንምበር፡ ኣይጠዓሰሉን ኣይግህሶን ድማዩ። ይትረፍ ነቶም ኣብ ናይ ድያብሎስ ደምበ ሓጢኣት ዘለው፡ ነቶም ኣብ ናቱ ደምበ ጽድቂ ንዘለውውን ምርጫኦምን ፍቓዶምን የኽብረሎምምበር፡ ኣየገድዶምንዩ። ስለዚ ናብ ናይ ክርስቶስ ሓርነት፡ ባዕላትና ፈቲናን መሪጽናን ጥራሕ ኢናንኣትው። ብቢልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ ዘመን ሓርነት ኣብ ትሕቲ ሕሱም ባርነት ሓጢኣት ኪነብሩ ዚገብሮም ዘሎ፡ ባዕላዊ ምርጫኦምምበር፡ ክርስቶስ ሓራ ስለ ዘየውጽኦም ኣይኰነን። ብክርስቶስ ኣሚኑ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ውልድነት ኣምላኽ ዝተቐበለ ሰብ፡ ካብ ማእሰርትን ባርነትን ናይ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡዩ። እቲ ናይ ነጻ ምርጫን ነጻ ፍቓድን መሰሉን ስልጣኑን ተመሊሱሉ ሓራ ፍጥረትዩ። ባዕሉ ተመሊሱ ፈትዩ እንተ ዘይገይርዎ፡ ብዘይ ፍቓዱ ኣገዲዱ ሓጢኣት ኬግብሮ ዚኽእል ሓይሊ የለን። ከይፈለጠን ከይፈተወን ተዓንቂፉ ናብ ሓጢኣት እንተ ወደቐ ድማ፡ ካብ ብዘይ ፍቓዱ ዝጠበቖ ሓጢኣት ዚናገፈሉ ናይ ንስሓ ጸጋ ተዋሂብዎ ስለ ዘሎ፡ ንህይወት ዚኸውን ሓቀኛን ዘየጣዕስን ንስሓ ብምእታው ናብ ናይ ቅድም ሓርነቱ ኺምለስ ይኽእልዩ።

ነዚ ብክርስቶስ ዝተዋህበና ሓርነት ፍሉይን ክቡርን ዚገብሮ እንታይዩ፧ ነዚ ብክርስቶስ ዝተረኽበ ሃርነት ዚመስል ካልኣ ሓርነት ስለ ዘየልቦ፡ ከም መረዳእታ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ዝዀነ ዓይነት ሓርነት ኪህልው ኣይክእልንዩ። ክርስቶስ ሓራ ኼውጽኣና ኸሎ ካብ ባርነት ናይ ሰይጣን ናብ ውልድነት ናይ ኣምላኽ ዜሰጋግረና። ሓራ ኣውጺኡ ግን ጓኖት ገይሩ ዚገድፈና እንተ ዚኸውን፡ ካብ ዝዀነ ሰብ ኪህቦ ዚክእል ሓርነት፡ ዝዀነ ፍሉይነት ኣይምሃለዎንነይሩ። ሰባት ንኻልኦት ሰባት ባሮቶም ገይሮም ኪገዝእዎም ጸኒሖም፡ ሓርነት ሂቦም ኬፋንውዎም ከለዉ፡ናብ ዝደለኻዮ ኺድ፡ ድሕሪ ሕጂ ካብ መግዛእተይ ነጻ ኢኻኢሎም፡ ምናልባትውን ገለ ቝሩብ መጣየሲስ ሂቦምዮም ዜፋንውዎም። ነቲ ባርያኡ ዝነበረ ሓርነት ሂቡ ወዱ ዚገብሮን፡ ማዕረ ደቁ ናይ ርስቲ መሰል ዚህቦን ግን፡ ሓደ የልቦን። ስለ ዝዀነ ኻልእ ሰብ ሒዙ ናብ ካልእ ባርነት ኪሸጦ፡ ወይ ገዛእ ባርያኡ ኺገብሮ፡ ወይውን እቲ ባርያ ባዕሉ ምግብን መጽለልን ምእንቲ ኺረክብ ርእሱ ንባርነት ኪሸይጥ ይኽእልዩ። ብዛዕባ ብክርስቶስ ዚርከብ ሓርነት ዚገልጽ ኵሉ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ባርነትን ውልድነትን እናነጻጸረ ዚገልጽ (ዮሃ 835 ሮሜ 814,15 ገላ 47) ብክርስቶስ ዘይምእማንን ብክርስቶስ ኣሚንካ ኸተብቅዕ ኣብኡ ጸኒዕካ ዘይምንባርን ንዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዜፍርደሉ ምኽንያት ከኣ ንናይ ክርስቶስ ሓርነት፡ ንውልድነት ኣምላኽ ተጸዩፍካ ንባርነት ሰይጣን ኣኽቢርካ ናይ ምንባር ኣጋንንታዊ ምርጫ ስለ ዝዀነዩ። ንናይ ክርስቶስ ሓርነት ዘይምጽላይ፡ እቲ ዝኸፍአ ሃስያኡ ንገዛእ ርእስኻ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ናብ ኣምላኽን ዜመሓላልፎ ግብራዊ መልእኽቲ ግን ኣዝዩ ኽፉእን ንሰይጣን ኣኽቢሩ ንእምላኽ ዜቃልል ከቢድ ናይ ድፍረት ኣበሳ፡ዩ

ብኸመይ ኢና ብሓርነትና ኽንሓጥእንኽእል፧ ብሓርነትና፡ ኽንሓጥእንኽእል እንተ ዄንና ደኣ፡ እቲ ሓርነትና ኣብ ምንታይዩ፧ እዚ ሕቶንርእሱ መልሲኺበሃል ዚኽእል።ካብ ባርነት ሓጢኣት ሃርነት ረኺበእናበልካስ፡ ካልእ መሕጥኢ ምኽንያት ከም ዝተሳእነ፡ በቲ ንኣምላኽ መሪር ዋጋ ዘኽፈሎ፡ ሞት ቅዱስ ወዱ ዝጠለቦ ሓርነትካ ምሕጣእ፡ ብዘይ ቃል ዓለም ኣዝዩ መሪርን ከቢድን ኣበሳዩ። ይዕበይ ይንኣስ፡ ሃጢኣት ኵሉ ጊዜ ሓጢኣትዩ። ዓስቡ ድማ ኵሉ ጊዜ ሞትዩ። ካብ ባርነት-ሓጢኣኣት ገና ዘይተላቐቐ ሰብ ኪሓትእን፡ ካብ ባርነት ሃጢኣት ብሞት ክርስቶስ ተላቒቑ ሃራ ዝወጸ ሰብ ኪሓጥእን ከሎ ግን ንኽልቲኡ ሓጢኣት ብሓደ ዓይኒ ኽትርእዮን ከተመሳስሎን ኣይከኣልን፡ ኣይግባእን ከኣዩ። እቲ ገና ባርያ ዘሎ፡ እቲ ጐይታኡ ዝበሎ ኺገብር ናይ ግድንዩ። ምኽንያቱ ንሓጢኣት ዜግድፍ ምኽንያትን ዓቕምን የብሉን። እቲ ድሮ ነቲ ኽቡር ሓርነት ረኺብዎን ውልድነት ኣምላኽ ተቐቢሉን ኬብቅዕ፡ ተመሊሱ ኸም ከልቢ ትፋኡ ዜልምጽን፡ ከም ሓሰማ ተሓጺቡ ኣብ ሓመድ ዜንገርግርን ሰብ ግን፡ ብሓርነቱን ብደም ክርስቶስን ብሰማያዊ ውልድነቱን ይሓጥእ ስለ ዘሎ ኣበሳኡ ኣዝዩ ኸቢድ፡ ሳዕቤኑ ኸኣ ኣዝዩ መሪር ዚኸውን፡

ፍልተት ሓቂ ምስ ተቐበልና (ሓርነት ምስ ረኸብና) ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና ደጊም (ድሕሪ ሕጂ) ምእንቲ ሓጢኣት ዚቐርብ (ካልእ) መስዋእቲ የልቦን። ኣብ ክንድኡ (ኣብ ክንዲ መስዋእቲ) ግና ፍርድን ነቶም ንኣምላኽ (በቲ ናይ ፍታው ሓጢኣቶም) ዚጻረሩ ሰባት ዚበልዕ ብርቱዕ ሓውን ኢና ብራዕዲ እንጽበይ። . . . (በቲ ፈትዩ ዚገብሮ ሓጢኣት ነቲ ሓራ ዘውጽኦ) ወዲ ኣምላኽ (ዝረገጸ) ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ነቲ ጸጋ ዚህብ (መንፈስ ቅዱስውን) ዝጸረፈ (ክርስትያን) ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቅጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧ . . . (ብፍርዲ) ኣብ ኢድ ናይ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜስካሕክሕዩ።እብ 1026-31 .

“(ምኽንያቱ) ሰባት ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ ካብ ርኽሰት ዓለም መሊቖም (ሃራ ወጺኦም ኬብቅዑ) ከም ብሓድሽ ብእኣ (ብዓለም) ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ (ባሮት ሓጢኣት እንተ ዀኑ) ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም ዚገድድ። ንሳቶም እናፈለጡ ኻብ ዝተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ (ካብ መጀመርታኡ) ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዎ ምሓሾም ነይሩ፡ . . . “ 2ጴጥ 220-22 .

እቲ ንኽልቲኡ ዓይነት ህይወት፡ ንባርነት ናይ ሓጢኣትን ንሓርነት ናይ ክርስቶስን ብግብሪ ዝጠዓሞ ሰብ፡ ምርጫኡ ገልቢጡ፡ ካብ ሓርነት ናብ ባርነት ኪምለስ እንተ መሪጹ፡ ውሳኔኡ ዀነ ግብሩ ብኸመይ ከም ዚትርጐም እዚ ሃዋርያዊ መልእኽታት ብንጹርን ስእላውን መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ። ቃል ብቓላ፡ነታ ሓርነት እንተ ዘይፈልጣን እንተ ዘይጥዕማን ምሓሸኢሉናሎ። ብሓርነትካ ምሕጣእ ማለት ንኣምላኽ ምርግጋጽ፡ ምርካስ፡ ምጽራፍ ማለትዩ።

ብኸመይ ብሓርነት ኸምንሓጥእ መሪሕ ጥቕስና ኣሚቱልና ኣሎ። ንሓድሕድካ ብፍቕሪ ምግዝዛእ፡ ንሓርነትካ ምኽባርዩ። ነቲ ብሞት ክርስቶስ ዝተዋህበካ ፍቕሪ ደርቢኻ፡ ብባእስን ህልኽን ጽልእን ቂምታን ክትዋሳእ እንተ ፈቲንካ ግን፡ ነቲ ሓርነትካ ትሓጥኣሉ ኣለኻ ማለትዩ። ንመሪሕ ጥቕስና ስዒቡ ተጻሒፉ ዘሎ ካብ 14-26 ዘሎ ጥቕስታት፡ ከምኡውን ገላ 61-5 ዘሎ ጥቕስታት እንተ ኣንቢብናዮ፡ ንሓርነትና እነኽብረሉን እነዋርደሉን ኵሉ ዝርዝራት ተዋሂቡና ኣሎ። ብክርስቶስ ሓራ ዝወጻእና ክርስትያን ክነስና፡ ነቶም ግብረ ስጋ ተሰምዮም ዘለው ዜጸይፉ ግብርታት ነዘውትር እንተ ዄንና ነቲ ሓራ ዘውጽኣና ኽቡር ወዲ ኣምላኽን፡ ነቲ ብሞቱን ብደሙን ዝሃበና ሓርነትን ረገጽቱ ንኸውን ኣለና። ፍረ-መንፈስ እንተ ኣዘውቲርና ግን መኽበርቲ ጐይታኦምን ሓርነቶምን ንኸውን። ቅዱስ ጴጥሮስስውን ነዚ ንሓርነትና ዚምልከት ሓቂ ብከም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ነቶም ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ (ካብ ኣምላኽ) ዝተላእኩ መኳንንቲ ተገዝእዎም። (ምኽንያቱ) ሰናይ እናገበርኩም፡ ንዕሽነት ናይቶም ደናቑር ሰባት ክትዓብሱ ፍቓድ ኣምላኽዩ። ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ (ከም ውጽኣት ሓራ) ብሓርነት ንበሩምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍእት ዚገብርዎ ኣይትዅኑ፡ ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፡ ንኣምላኽና ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ፡ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።” 1ጴጥ 214-17 .

ሰናይ ዚገብር ሰብ፡ መኽበር ሓርነቱዩ። እዚ ንሓርነትና ዜኽብር ሰናይ ግብሪ፡ ብዝበለጸ ውጽኢታዊ ዚኸውን፡ ሰባት ብዕሽነትን ድንቍርናን ተደሪኾም ኣብ ዚብድሉና እዋን ምስ ዚበዝሕን ምስ ዚዝውተርንዩ። ናይ ብሓቂ ውጽኣት ሓራ ምዃንና መለለዪ ምልክትና፡ እቲ ኣንጻር ኵሉ መሰናኽላት ብጽንዓት እነዘውትሮ፡ ሰናይ ባህርይን ግብርንይ። ናይ ሰባት እከይ ግብሪ፡ ካብ መንፈሳዊ መትከልና ኣዘናቢሉ ብእኩይ ግብሪ ኽንምልስ ዚድርኸና እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሓርነትና ኸም መጐልበቢ ኽፋት እናጥቀመሉ ገና ኻብ ባርነት ዘይተላቐቕና ግቡዛት ክርስትያን ምዃንና ዜቃልዓናዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቶም ኵሉ ምብላዕ ከም ዝተፈቕደሎም ዘይኣምኑን ዘይበልዑን ሰባት፡ ብብልዖም ከም ዚዕንቅፍዎም ምስ ፈለጠ፡ ብሓርነቶም ኣብ ልዕሊ ሰባትን ኣብ ልዕሊ ክርስቶስን ይብድሉ ኸም ዘለው ብኸቢድ ሃይለ ቃል ገሊጽዎም ኣሎ (ሮሜ 141-3,13-23 1ቈረ 88-13 1023-33 1ጢሞ 42-5 ቲቶ 115) ብዝዀነ ይኹን ኣርእስቲ፡ ብሓርነትና ኣብ ልዕሊ ሰብ ኰነ ኣብ ልዕሊ ንሓርነትና ኺብል ዝተሰውአ ክርስቶስ ከይንሓጥእ ክንጥንቀቕ ይግብኣና።

እምበኣር ምልስ ኢልና ሕሉፍን ህልውን ህይወትና ንመርምር። ነቲ ብሞት ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ኽቡር ሓርነትና ብኸመይ ሒዝናዮ ኸም ዘለና ብዕምቈት ንፈትሽ። ብመስዋእቲ ክርስቶስ ሓርነት ዝተዋህበና ክርስትያን ህዝቢ ኽነስና፡ ገና ኣብ ትሕቲ ባርነት ሓጢኣት ተጸሚድና፡ ብሓርነትና ንሃጥእ፡ ነቲ ሓራ ዘውጽኣና ጐይታ ብሓጢኣትና ነቕውስሎ እንተሊና፡ ብሓቀኛ ንስሓ ናብ ሓርነትና ንመለስ። ነቲ ጐይታ ብመስዋእቱ ዘጐናጸፈና ሓርነት ዓቂብናዮ፡ ከም ውጽኣት ሓራ ዄንና ንሓርነትና ብግብሪ ንነብሮ እንተሊና ድማ መሪሕ ጥቕስና ተጣሕጺኑና ኸም ዘሎ፡ ኣብ ሓርነትና ንጽናዕ፡ ዳግማይ በርዑት ባርነት ከይንቝረን ንተንቀቕ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

23 የካቲት 2025 | የካቲት  15, 2016 ግዕዝ (መበል 24 ሰንበት: ቊ.፳፬/24)

ምስባክ

መዝመዝ.፪፡፲-፲፪ “ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት። ወተኃሠዩ ሎቱ በረዓድ። አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዓዕ እግዚአብሔር።”

ዓዲ፡ 

መዝ.፺፱(፻)፡፫-፭ “ንሕነሰ ሕዝቡ ወአባግዐ መርዔቱ። ባኡ ውስተ አናቅጺሁ በተጋንዮ። ወውስተ አዕፃዲሁ በስብሐት እመንዎ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ገላ 5፡13-ፍጻመ

ዲያቆን

1ጴጥ 4፡1-11

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 15፡25-35

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 3፡10-21

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ  መዝሙር፦ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር

   

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div