“ (ክርስቶስ) ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ተሓርየ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኻትኩም ተገልጸ። ንስኻትኩም እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ (ንክርስቶስ) ካብ ምውታት ዘተንስኦ፡ ክብሪ’ውን ዝሃቦ ኣምላኽ ኣመንኩም።”1ጴጥ 1፡20,21 ካ.ት
እዚ ዕለት’ዚ ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ኣስተርእዮ ራብዓይ ሰንበት’ዩ። ናይ’ዚ ሎሚ ዓመተ ግእዛ (2017 ግ.) ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመነ ኣስተርእዮ፡ ካብ በዓለ-ጥምቀት (ጥሪ 11) ክሳዕ ምእትው ዓብይ ጾም (ለካ. 16 ) ዚዝርጋሕ ናይ 35 መዓልታት ዘመን’ዩ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ መዝሙር ቅዱስ ያሬድን ክልተ ኣማራጺ ምስባካትን’ውን ነዚ ዘመነ ኣስተርእዮ ዘማእከለ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተደርሰ መዝሙር-ሰንበት፡ “ተወልደ ኢየሱስ” ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና፡ “ንትፌሣሕ በልደቱ ወንትኃሠይ በኣስተርእዮቱ” (ብልደቱ ንተሓጐስ፡ ብኣስተርእዮኡ (ብምግላጹ) ድማ ባህ ይበለና) ኢሉ ዚዕድም ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ ክልተ ናይ ምስባኽ ኣማራጺታት’ውን “አርአየ እግዚኣብሔ አድኅኖቶ” (እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣርኣየ)፡ ከምኡ’ውን፡ “በከመ ሰማዕነ፡ ከማሁ ርኢነ” (ከም’ቲ ዝሰማዕናዮ፡ ከምኡ ረኣና) ዚብል ናይ ኣስተርእዮ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ብርግጽ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ ብልሳን ቅዱሳን ነብያት ዝተነግረ ናይ ምድሓን ተስፋ፡ ካብ ልደቱ ጀሚሩ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዘመነ-ኣስተርእዮኡ ብግህዶ ተራእዩን ተገሊጹን’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ዝተነብበ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል ዚገልጽዩ። ንሳ ነቲ ገና ናይ 40 መዓልታት ናጽላ ዝዀነ ኢየሱስ በዒንታ ምስ ረኣየቶ፡ እቲ ንዓለም ዜድሕን መድሓን ዓለም ንሱ ምዃኑ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸላ፡ ነቶም ምድሓን እስራኤል ዚጽበዩ ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ፈራህቲ ኣምላኽ፡ “ንሱ’ዩ’ቲ መድሓኒ” ኢላ ብዛዕባኡ፡ ብዛዕባቲ’ቲ ህጻን ኢየሱስ ተዛረበቶም። እቲ ኣብ ለካቲት 8 እንዝክሮ ነብዮ ሳምኦን’ውን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ ተስፋ ረኺብዎስ፡ ንመድሓኒኡ ኺሓቍፍ ምስ ተዓደለ። “ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዅሉ ህዝብኻ ዘዳለኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸም’ቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ።” ብምባል እግዚኣብሂር ምድሓኑ ዜርእየሉ ዘመነ-ኣስተርእዮ ኸም ዝኣኸለ ኣበሲሩ’ዩ (ሉቃ 2፡25-32)። እምበኣር፡ ንሕና’ውን፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዚ፡ ከም’ዞም ዝተጠቕሱ ቅዱሳን ነብያት፡ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኣብ ዘመነ ኣስተርእዮኡ ዘግሃዶ ምድሓን ርኢናዮን ፈሊጥናዮን፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ረኺብናዮስ ኣብ’ታ መገዲ ድሑናት ምቛምናን ምህላውናን እነረጋግጸሉ ቕንያት’ዩ። ኣብ መገዲ ጥፉኣት ኴንካ ብዛዕባ ኣኣብ ዘመን ኣስተርእዮ ዝተገልጸ ምድሓን ምሕሳብ፡ ኣብ ዘይውራይካ ብዓል ጕዳይ ከም ምዃን ኪቝጸረና’ዩ። ከመይሲ ዘመነ ኣስተርእዮ፡ ዘመን ድሕነትን ዘመን ድሑናትን ጥራሕ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተክርስትያንና፡ ካብ ጽባሕ ሰኑይ ክሳዕ ረቡዕ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ጥሪ 26 ክሳዕ ጥሪ 28 ዘሎ ቕንያት “ጾመ ነነዌ” እንጾመሉ ቕንያት’ዩ። እዚ ፍሉይ ታሪኻዊ ጾም’ዚ፡ ፍረ ሓቀኛ ንስሓ እንታይ ምዃኑ ብስእላዊ መገዲ ዜርእየና’ዩ። “ነነዌ” ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ናይ’ቲ ሽዑ ርእሰ-ሓያላት ዝነበረ መንግስቲ ኣሶር ዋና ኸተማ ዝነበረት’ያ። ሕጂ ኣብ ሃገር ኢራቕ’ያ ‘ትርከብ ዑና’ያ። እቲ ህዝቢ ኣምላኺ ጣኦት ኣረማዊ ኽነሱ፡ እግዚኣብሄር ብዓይኒ ምሕረት ጠሚቱ፡ ካብ ጥፍኣት ኬድሕኖም ካብ እስራኤል ነብዪ ለኣኸሎም። ንሳቶም ከኣ ይትረፍ ካልኦት ኣህዛብ፡ እስራኤላውያን’ኳ ገይሮምዎ ብዘይፈልጡ ተኣምራዊ ኺበሃል ብዚኽእል ኣገባብ ብጾምን ጸሎትን ግብራዊ ንስሓ ኣተዉ። እዚ ታሪኽ’ዚ ናይ ኣገልግሎቱ ትእምርቲ ምዃኑ ጐይታና ባዕሉ ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 12፡38-41)። ሕጂ ድማ ንሕና ብዛዕባ ህዝቢ ነነዌ ዘይኰነስ ነቲ ናቱ ኣርኣያ ተኸቲልና፡ ብዛዕባ ርእስናን ብዛዕባ ሃገርናን ንኣምላኽ ዜስምር ጾምን ጸሎትን ከነቕርብ’ዩ ተሰሪዑልና። ስለ’ዚ ብርሃን ወንጌል ከም ዝረኸቡ ክርስትያን ህዝቢ መጠን ካብ ናይ’ዞም ኣረማውያን ሰባት ብዚበልጽ መገዲ ኽንትግብሮ ይግብኣና።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን’ውን ብዛዕባ’ቲ ምእንታና ዝተጋህደን ዝተገልጸን ኢየሱስ ዚገልጽ’ዩ። ኣብ’ቲ ጐይታና ብኣካል ዜገልግለሉ ዝነበረ ዘመን፡ እስራኤላውያን ንሱ መድሓኒ ምዃኑ ስለ ዘይተራእዮም፡ ነቲ መድሓኒኦም ኬጥፍኡ ይጋደሉ ነበሩ። እቲ ሓቂ ተገሊጹልካስ ክትርእዮን ከተስተውዕሎን እንተ ዘይክኢልካ፡ ኣንጻር ረብሓኻ ኢኻ ደው ‘ትብል። ንሕና’ውን ነቲ መድሓኒና ብኣካል ስለ ዘይረኸብናዮ ኽንቀትሎ እንተ ዘይከኣልና’ኳ ሓጢኣት ነዘውትር እንተ’ሊና፡ ከም’ቲ ቕዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ዘሎ፡ ብእኡ ዝኣመንና ክርስትያን ህዝቢ ኽነስና፡ በቲ ፈቲና እንዘውትሮ ሓጢኣት ንእኡ ዳግማይ ናይ ምስቃል ፈተነን ሃቐናን ከም ዘሎና ብግብሪ ነግህዶ ኣለና (እብ 6፡4-6)። ናይ ብሓቂ ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ዝረኸበ ሰብ ግና፡ ከምኡ ኣይገብርን’ዩ። ብልደቱ ዀነ ብኣስተርእዮኡ ባህ ኪብለና ክንሕጐስን እንበቅዕ፡ ናይ ኣስተርእዮኡ ዕላማ ኣብ ህይወትና ብግብሪ ምስ ዚፍጸም ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ሰሪዓትልና ዘላ ዘመነ ኣስተርእዮ ብዕምቈት ክንርድኦን ብግብሪ ኽንረብሓሉን ይግብኣና።
“ኣስተርእዮ” ማለት እንታይ ማለት ድዩ፧ ንምንታይ ኢና ብዛዕባ ናይ ጐይታ ኣስተርእዮ ‘ንሕጐስ፧ መን’ዩ ናይ ብሓቂ ብኣስተርእዮ ናይ ጐይታና ኺሕጐስ ዚኽእል፧ “ኣስተርእዮ” ናይ ቁንቋ ግእዝ ቃል’ዩ። ካብ’ቲ ቋንቋና’ውን ርሑቕ ኣይኰነን። ምስ “ምርኣይ” ዚተሓሓዝ ቃል ምዃኑ፡ ካብ’ቲ ፊደላቱ ጥራሕ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ቀጥታዊ ትርጕም ግና፡ “ምግላጽ፡ ግልጸት፡ ግህደት” ማለት’ዩ። እዚ “ኣስተርእዮ” ዚብል ቃል፡ ምስ “ምርኣይ” ዚዛመድ፡ ናይ “ረኣየ” ዚብል ሱር-ግሲ ረባሕታ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። “ረኣየ” ዚብል ቃል ግና፡ ናይ ግድን በዚ ናይ ስጋ ኣዒንትናን ዚረኣዩ ነገራትት ጥራሕ ኣይኰነናን ‘ንጥቀመሉ ንኣተሓሳስባና ንኣረዳድኣና’ውን “ኣረኣእያ” ብዚብል መለሳ-ቓል ተኪእና ንጥቀመሉ ኢና። ስለ’ዚ ሓደ ሓሳብ ኪግለጸልና፡ ኪርድኣና ካብኡ ሓሊፍና’ውን ክንቅበሎን ክንኣምኖን ከለና “ኣስተርእዮ (Revelation) ረኺበ” ብምባል ክንገልጾ ንኽእል ኢና። ሓደ ቛንቋ እናዓበየ ዚኸይድ፡ ካብ’ቲ መበቈሉ ቋንቋን ካብ’ቶም መባቝልቱ ዝዀኑ ኣሕዋቱ ቋንቋታትን ኪልቃሕ ምስ ዚኽእል’ዩ። ስለ’ዚ ኻብ’ቲ መበቈል ቋንቋና ዝዀነ ግእዝን፡ ካብ ካልኦት ሴማውያን ቋንቋታትን (ዓረብ እብራይስጢ፡ ኣራማይስጢ ወዘተ) እናተለቃሕና ንቋንቋ ትግርኛ ከነሀብትም ይግባእ’ዩ። እዚ “ኣስተርእዮ” ዚብል ቃል ምስናይ ኵሉ ረባሕታት ኣብ ትግርኛና ኺረዓም’ውን ኣድላዪ’ዩ። እዚ ኸኣ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኵሉ ስብከቶምን፡ ኣስተምህሮኦምን ዝርርባቶምን ምስ ዜዘውትርዎን ናብ’ቲ ተገልጋሊ ህዝቢ ምስ ዜስርጽዎን’ዩ ክዉንን ውጽኢታውን ዚኸውን።
ጐይታና ምእንቲ ዅሉ ህዝቢ ዓለም ተወሊዱን ተገሊጹን ክነሱ፡ ኵሉ ህዝቢ ዓለም ግን ብዛዕባ’ዚ ኣስተርእዮ’ዚ ኣይሕጐስን’ዩ። ይትረፍ ነቲ ኻብ ሃይማኖት ክርስትና ወጻኢ ዘሎ ዅሉን፡ ነቲ ብመሰረቱ ብህላውነት ኣምላኽ ዘይኣምን ኣረሚን ህዝብን፡ ዋላ’ቲ “ብክርስቶስ እኣምን’የ” ዚብል ክርስትያን ህዝቢ ኵሉ’ውን ብዛዕባ ኣስተርእዮኡ ብማዕረ ኣይሕጐስን’ዩ። መብዛሕትኡ ሰብ፡ ነቲ እምነት ክርስትና ካብ ወለዱ ስለ ዝወረሶ’ምበር፡ ናይ ብሓቂ በሪሁሉ፡ ተረዲእዎ፡ ኣስተርእዮ ረኺቡ ዝኣመነን ዚስዕብን ኣይኰነን። ዋላ ኣብ ቤተ ክርስትያንና እንተ ረኣና፡ ብዘይካ ኣብ’ታ እናበኸዩ ዝተጠምቁላ ዕለትን፡ ሞይቶም ፍትሓት ኺግበረሎም ዓጽመ -ስጋን ዓርከ-መሓዛን እናበኸየ ዘምጽኦም ዕለትን፡ ፈጺሞም ናብ ቤተ ክርስትያን መጺኦም ዘይፈልጡ ሰባት ብቝጽሪ እቶም ዚበዝሑ’ዮም። “ሃይማኖትካ እንታይ’ዩ፧ ብኣምላኽከ ትኣምንዶ፧” እንተ ዚብሃሉ ግና፡ “ብኣምላኽ እኣምን’የ ሃይማኖተይ ድማ ተዋህዶ’ዩ” ንምባል ድሕር ኣይብሉን፡ ስኽፍ’ውን ኣይብሎም’ዩ። ካብ’ቲ ዚመላለስ ህዝቢ’ውን ቤተ ክርስትያን መስቀልን ተሳሊምካ፡ ምጽዋትን መባእን ሂብካ ምምላስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዛዕባ’ታ “እኣምና’የ፡ ቤተ ክርስትያነይ’ያ” ዚብላ ሃይማኖቱ ኽንዲ ፍረ ኣድሪ’ትኸውን ፍልጠት ዘይብሉ ሰብ ይበዝሕ። እቲ ብኸም’ዚ ዚነብር ህዝቢ ድማ ብዛዕባ ኣስተርእዮ ይትረፍ ክሳዕ ምሕጓስ ኪበጽሕ፡ ዜሐጕስ ነገር ይሃልው ኣይሃልው’ውን ዋላ ሓንቲ ዚፈልጦ የብሉን። እቲ ጸገም ግን ብፍልጠት ጥራሕ ዚፍታሕ’ውን ኣይኰነን። ኣኺሉ ዚተርፍ ምስ ሊቅነት ዚስራዕ ፍልጠት እናሃለዎም’ውን፡ ነቲ ረብሓኡ ብግብሪ ስለ ዘይፈልጥዎን ስለ ዘይተመኮርዎ፡ ኣብ’ቲ ውሽጢ ልቦም ፈጺሙ ጠላሕ ዘይብሎም’ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።
ናይ መድሓኒኡ ኣስተርእዮ ኣዝዩ ዜሐጕሶ፡ እቲ ንድሕነት ከም እኽለ-ማይ ኣዝዩ ዚጠምያን ዚጸምኣን ሰብ ጥራሕ’ዩ። እቲ ብሰሪ ሓጢኣቱ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ይጽበዮ ኸም ዘሎ፡ ባዕሉ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ካብ’ዚ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት’ዚ ኼድሕኖ ዚኽእል ካልእ ኣካል ፈጺሙ ኸም ዘየለ ብምሉእ ልቡ ዝተረድአ ሰብ “ንኣኻ ካብ’ቲ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ንኼድሕነካ፡ ምእንታኻ ተሰቒሉን ሞይቱን ኪብጀወካ፡ ኣምላኽ ስጋ ለቢሱ ሰብ ኰይኑ መጺኡልካ ኣሎ” ኺሰምዕ ከሎ፡ ብልደትን ኣስተርእዮን ናይ መድሓኒኡ መለክዕን መግለጽን ዘይርከቦ መጠን ናይ ሓጐስ ኪሕጐስ፡ ባህርያውን ጽቡይን ግብረ መልሲ’ዩ። ስለ’ዚ መጠን ናይ ሓጐስና፡ ምስ’ቲ ብዛዕባ ሓጢኣትናን ሳዕቤናቱን ዘሎና ርድኢት ቀጥታዊ ዝምድና ዘለዎ’ዩ። እቲ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ብዘይ ዝዀነ ቐልዓለም ምሉእ ብምሉእ ዝተኣመነ፡ ካብ’ቲ ነባርን መሪርን ሳዕቤን ናይ ሓጢኣቱ ኺድሕን ልዑል ባህጊ ዘለዎ ሰብ፡ ብናይ ጐይታና ኣስተርእዮ እቲ ዝለዓለ መጠን ናይ ሓጐስ ይስምዖ። እቲ ብዛዕባ ገዛእ ሓጢኣትናን ጥፍኣትናን ዘሎና ተኣምኖ እናጐደለ ብዝኸደ መጠን ድማ፡ እቲ ብዛዕባ ኣስተርእዮኡ ዚስምዓና ፍስሃን ሓጐስን ብእኡ መጠን እናጐደለ፡ ክሳዕ ባዶ ኺበጽሕ’ውን ይኽእል’ዩ።
እቲ ብናይ ጐይታ ኣስተርእዮ ዚሕጐስ መን ምዃኑን ንምንታይ ከም ዚሕጐስን ካብ ፈለጥና፡ እቲ ዜሐጕስ ግብራዊ ኣስተርእዮኸ እንታይ’ዩ፧ መልሲ ናብ’ዚ ሕቶ’ዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተዋሂቡ ኣሎ። ኣስተርእዮ ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝተባህለ ዅሉን ብባዕሉ ብክርስቶስ ዝተገልጸ ዅሉን፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ኵሉን ዜጠቓልል’ዩ። ናይ ጐይታ ኣስተርእዮ፡ ቅድሚ ምፍጣር ሰብ ዘይኰነስ፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተመደበን ዝተሰርዐን’ዩ። እቲ ዝተመደበ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማያት ብእግዚኣብሄር (God- head) ዝተመደበ’ዩ “ኣስተርእዮ” ዚበሃል ድማ እዚ ብመለኮት ኣብ ሰማያት ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተመደበ ምኽሪ-ኣምላኽ ኪግለጽ፡ ኪፍለጥ ሰባት ኪርድእዎ ኸለው ማለት’ዩ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ’ቲ ሰማያዊ መደቡ ካብ’ታ ንሰብ ዝፈጠረላ ጊዜ ጀሚሩ’ዩ ብግብሪ ዀነ ብቓላት ኪገልጽን ኣስተርእዮ ኺህብን ዝጀመረ። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን፡ ካብ’ታ ኣዳምን ሄዋንን ዝወደቑላ ዕለት ጀሚሩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኬግህዶን ኪገልጾን ዝመደበ ግብሪ ምድሓን ብዝተፈላለየ መገዲ የመልክት ነበረ። እቲ ዜመልክተሉ መገዲ ገሊኡ ትእምርታዊ (ምልክታዊ) ትንቢት ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ብልሳን ነብያት ዚንገር ቃላዊ ትንቢት ነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት ከም “ጽላሎት” ናይ ክርስቶስ ገይሩ ብግሩም ኣገባብ ይገልጾ ነበረ። ብዛዕባ ጽላሎት ግሩም ኣፍልጦን ተመክሮን ስለ ዘሎና፡ እዚ ኣገላልጻ’ዚ ብቐሊሉ ኺርድኣና ዚኽእል’ዩ። ጽላሎትና፡ ዋላ ምሉእ ብምሉእ ኣይኹን፡ ብገለ ሸነኹ ንኣና ይውክለናን ይገልጸልናን’ዩ። ቍመናናን ቅርጽናን ብመጠኑ ደኣ የመልክት’ምበር፡ ጽላሎት ጥራሕ ርእዩ። “እዚ ናይ እከለ ጽላሎት’ዩ” ኢሉ ኺፈልይን ኬመልክትን ዚኽእል የልቦን። ነቲ ጽላሎት ዚገብር ሰብ ምስ ረኣዮ ግን፡ ኣረጋጊጹ “እዚ ጽላሎት’ዚ ናይ’ዚ ሰብ’ዚ’ዩ” ኢሉ ኺዛረብ ይኽእል’ዩ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት ድማ ናይ ክርስቶስ ጽላሎት’ዩ ዝነበረ። ነቲ ጽላሎት’ቲ ጥራሕ ርእዩ፡ ንክርስቶስ ኪፈልጦ ዝኸኣለ ግን ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ብኣካለ ስጋ ምስ ተራእየን ምስ ተጋህደን ግና፡ ኵሉ’ቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓትን ታሪኽን ናቱ ጽላሎት ምዃኑ ንዅላትና ተጋህደ። ነዚ ንምግላጽ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ብጽሑፍ ኣስፊሩልና ኣሎ።
“ደጊም ብብልዕን መስተን ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ’ኳ ኣይፍረደልኩም። እዚ (ዝተጠቕሰ ስርዓታት’ዚ)፡ ነቲ ዚመጽእ (ክርስቶስ) ጽላሎቱ’ዩ፡ እቲ (ነቲ ጽላሎት ዝፈጠረ ቐንዲ) ስጋ ግና ክርስቶስ’ዩ።” ቈሎ 2፡16,17
“ሕጊ ኦሪት ናይ’ቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር (ናይ ክርስቶስ) ጽላሎት’ምበር፡ እቲ ነገር ብርእሱ (ክርስቶስ ብቐንዱ) ኣይኰነን። (ጽላሎት ስለ ዝዀነ) ድማ፡ እቲ (ዓመት መጸ) ኵሉ ሳዕ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት፡ ነቶም ዜቕርብዎ ሰባት ፍጹማት (ቅዱሳት) ኪገብሮም ከቶ ኣይክእልን’ዩ። . . . ኢየሱስ ክርስቶስ (ብስጋ ተገሊጹ) ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጸም፡ ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ዝሰውአ፡ (ኵላትና ብእኡ) ተቐዲስና ኢና። . . . ክርስቶስ ግና ሓንሳእ ንሓዋሩ እትኸውን መስዋእቲ ምእንቲ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ . . . ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንዘለኣለም ፍጹማን ገበሮም።” እብ 10፡1,10,12,14 ካ.ት
ኣብ ካልእ ክፍልታት ናይ መልእኽቱ’ውን ነዚ ናይ ጽላሎትን ስጋን ሓሳብ ተጠቒሙሉ ኣሎ (እብ 8፡5 [1-6] ካ.ት ፣ 9፡8-10 ካ.ት)። ናይ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ “ጽላሎታዊ ወይ ግዳማዊ ስርዓት” ኢሉ ዝጸውዖ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣገልግሎት ምስጢር ዝተገልጸ፡ ጐይታና ብልደቱን ብኻልእ ኵሉ ኣስተርእዮኡን ምስ ተጋህደ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንርእሱ፡ ናይ’ዚ ጽላሎታውን ግዳማውን ስርዓት ቀንዲ ተሓላቒ ዀይኑ፡ ንመንግስቲ ክርስቶስ ካብ ገጽ ምድሪ ኼጥፍእ ብምሉእ ሓይሉ ዚጋደል ጨካንን ሕሱምን ጸላኢ’ዩ ዝነበረ። እቲ ምሕረተኛ ጐይታ ኣብ መገዲ ደማስቖ ኸቲሩ ርእሱ ምስ ገለጸሉ፡ ናይ’ቲ ጐይታና ባዕሉ ዝሰርዖ ናይ ብሉይ ኰነ ናይ ሓድሽ ኪዳን ምስጢራት ምሉእ ኣስተርእዮ ምስ ሃቦ ግና፡ ምእንቲ’ቲ ዝተጋህደሉ ሓቂ ኽሳዱ ንሰይፊ ኺህብ ድሕሪ ዘይብል ብምስጢራት ክርስቶስ ዝጸገበ ተባዕ ሃዋርያ ዀነ። ኣስተርእዮ ዘይረኸበ ውጹዕ ሰብ፡ ዕድሚኡ ምሉእ ናይ ጽላሎት ኣገልጋሊ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣስተርእዮ ዝጸገበ ክርስትያን ግና ናይ’ቲ ህያው ክርስቶስ ብቑዕ ኣገልጋሊ’ዩ ዚኸውን። ኣይሁድ ነቲ መድሓኒኦምን ደቀ መዛሙርቱን ኪቐትሉ ኪህንደዱ ዝነበሩ ይዋኣዮም፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ኣስተርእዮ ስለ ዘይረኸቡ’ዮም። ኣገዳስነት ኣስተርእዮ ኸም ዚግባእ ኣስተውዒሎም “ዘመነ ኣስተርእዮ” ዚሰርዑ ቅዱሳን ኣቦታት ንዝሃበና ልዑል ኣምላኽ ግን ክብሪ ይኹኖ። እዚ ኽቡር ዘመን’ዚ ናይ ጽላሎት ኣምለኽትን ኣገልገልትን ኴንና ኸይንተርፍ፡ ካብ ዝጸልመተ ኣእምሮን ካብ ዝተደፍነ ልብን ንኽንድሕን ዝተሰርዓልና’ዩ’ሞ፡ እቲ ኣእምሮ ሃዋርያትን ልቢ ሊድያን ዝኸፈተ ኣምላኽ፡ ኣእምሮናን ልብናን ከፊቱ ብዙሕ ኣስተርእዮ ኺህበናን ኪኸስተልናን፡ ብጸሎት ክንልምኖን ብኣጽንዖት ክንምሕጸኖን ይግብኣና።
እቲ ብቕዱሳን ነብያት ብግህዶ ዝተነግረ ማእለያ ዘይብሉ ትንቢታት’ውን፡ ኣካል ናይ’ቲ ብእግዚኣብሄር ዝተዋህበ ጥንታዊ ኣስተርእዮ’ዩ። ካብ’ዚ ትንቢታት’ዚ ዝተላዕለ ድማ ኵሎም ኣይሁድ “መሲሕ ኪመጻልና’ዩ” ዚብል ልዑል ተስፋ ኸም ዝነበሮም፡ ኣብ ወንጌላት ብስፍሓት ተገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 1፡19-22,41,45 ፣ 4፡25 ፣ 7፡25,26,31,40-42 ፣ 12፡34)። ነቲ ብዛዕባኡ ዝተዘርበ ትንቢታት ደኣ ይፈልጥዎን ይዛረቡሉን ነይሮም’ምበር፡ ብኣካል ምስ መጸስ፡ ኬለልይዎ ዀነ ኪቕበልዎ ኣይኰነሎምን፡ ብኣንጻሩ መከራ ኣጽጊቦም ብሕሱም ጭካነ ቐተልዎ። ምኽንያቱ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ጥራሕ ዚርከብ ኣስተርእዮ ኣይረኸብዎን፡ ዋላ ንርእሶም ነቶም ዝተነበይዎ ነብያት’ውን ግሉጽን ብሩህን ኣይነበረን። እቲ ብገዛእ ኢዱ ዘጥመቖ ነብዪ ዮሃንስ መጥምቕ’ውን፡ ከም ዘይፈለጦ ባዕሉ ተኣሚኑ’ዩ።
“እቲ ብዛዕባኡ፡ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ። ‘ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡’ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስከረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፥ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ።” ዮሃ 1፡30-34
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ’ውን ኸም “እቲ ዚመጽእ ንስኻ ዲኻ፧ ወይስ ካልእ ክንጽበይ ኢና፧” ኢሉ ሓቲቱ፡ዩ (ማቴ 11፡2-6)። ጐይታና’ውን ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነቲ ናይ ክርስቶስ ነገር ኪርእዩን ኪሰምዑን እናተመነዩ ኸም ዘይረኸብዎ ገሊጹ’ዩ (ማቴ 13፡16,17 ፣ ሉቃ 10፡23,24)። ብዝበለጸ መገዲ ዘነጸሮ ግን ቅዱስ ጴጥሮስ’ዩ።
“እቶም ብዛዕባ’ቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ ዝተነበዩ ነብያት፡ ብዛዕባ’ዚ ምድሓን’ዚ ብዓብይ ጥንቃቐ መርመሩ። እቲ ኣብቶም ሓዲሩ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን ብዛዕባ’ቲ ዚስዕብ ክብሩን ዚንበኡ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን (ብዛዕባ) ኣየናይ ጊዜን የመልክት ከም ዝነበረ ይምርምሩ ነበሩ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም’ምበር ንገዛእ ርእሶም ከም ዘይኰነ ገለጸሎም። እዚ (ምስጢራት’ዚ) በቶም ካብ ሰማይ ብዝተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም ዝሰበኹልኩም (ሃዋርያት) ሕጂ ተነጊሩኩም (ተገሊጹልኩም፡ ኣስተርእዮ ተዋሂቡኩም) ኣሎ። ነዚ (ምስጢራት’ዚ) መላእክቲ’ውን ኪርእይዎ ይብህጉ’ዮም።” 1ጴጥ 1፡10-12 ካ.ት
እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ፡ ኣቦታትና ነብያት ነቲ ዚንበይዎ ዝነበሩ ትንቢት ይፈልጥዎ ኸም ዘይነበሩ፡ ስለ’ዚ ነቲ ምግላጽ ወይ ኣስተርእዮ’ቲ ንምርካብ ንገዛእ ትንቢቶም እናመርመሩ ባህጎም ይገልጹ ኸም ዝነበሩ ኣረጋጊጹልና’ዩ። እምበኣር ንሕና’ውን ኣብ መሰረት ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ከም ዝተሃነጽና ክርስትያን ህዝቢ መጠን፡ ነዚ ቕዱሳን ነብያትን ቅዱሳን መላእኽትን ዝበሃግዎ ኣስተርእዮ’ዚ ሓለፋኦም ኣዚና ኽንብህጎ፡ ክንምርምሮ፡ ብዝረኸብናዮ መጠን ከኣ ኣዚና ኽንሕጐሰሉን ክንፍሰሃሉን ይግብኣና። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ዘመነ ጸልማት ዘይኰነስ፡ ኣብ ዘመነ ብርሃን ኣብ ዘመነ ኣስተርእዮ ዝተፈጠርና፡ ነቦታትና ነብያት’ኳ ዘይተዋህበ ኽብሪ ዝተዓደልና ወለዶታት ኢና።
ነዞም ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ዝተፈጠርና ወለዶታት ደኣ እዚ ኣስተርእዮ’ዚ ብኸመይ ተዋህበና፧ እቲ ቐዳማይ ኣስተርእዮኡ፡ እቲ “ቓል ስጋ ዀነ” ዝተባህለሉ፡ ሰባትን ቅዱሳን መላእኽትን ዝጸንበልዎ ልደቱ’ዩ (ሉቃ 2፡7-14 ፣ ማቴ 2፡1-12 ፣ ዮሃ 1፡14)። እዚ ልደት’ዚ ኻብ ዘመነ ጽላሎትን ጸልማትን ናብ ዘመነ ኣስተርእዮን ብርሃን ዘሳገረና ኽቡር ልደት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ እቲ ንብስራት ዝተላእከ ቕዱስ መልኣኽ፦
“እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዩ ሓጐስ አበስረኩም ኣለኹ’ሞ፡ ኣይትፍርሁ።”
ብምባል፡ መሰረት ናይ’ቲ “ንትፌሣኅ በልደቱ” ዚብል መዝሙር ናይ’ዚ ዕለት ዝዀነ ብስራት ሃበ (ሉቃ 2፡10,11)። ኣብ መዓልቲ ጥምቀቱ ድማ እግዚኣብሄር ኣቦን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅን ብዛዕባ ጐይታና ብዝሃብዎ ምስክርነት ፡ ብዛዕባ መለኮታዊ መንነቱ ዓብይ ኣስተርእዮ ተኸስተ (ማቴ 3፡1-17 ፣ ማር 1፡7-11 ፣ ሉቃ 3፡15-18 ፣ ዮሃ 1፡26-350)። ጐይታና ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ ድማ ብዝሃቦ ትምህርትን ስብከትን ብዝፈጸሞ ዜስተንክር ተኣምራት መን ምዃኑ ንጹር ኣስተርእዮ ሃበ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ናይ’ዚ ኣስተርእዮ’ዚ ጸብጻብን ምስክርን’ዩ። እቲ ዝዓበየ ኣስተርእዮ ድማ እቲ መድሓን ዓለም ምዃኑ ብሞቱን ትንሳኤኡን ዕርገቱን ዝፈጸሞ ግብሪ ምድሓን’ዩ። ምኽንያቱ ንሱ ብሞቱ ኺዓርቀና ብትንሳኤኡ (ብህይወቱ) ድማ ምእንቲ ኼድሕኑና’ዩ፡ ምእንታና ዝተጋህደ፡ ምእንታና ዝተስተርኣየ (ሮሜ 5፡6,8-10 ፣ ኤፌ 2፡14-16 ፣ ቈሎ 1፡22,23)።
እዚ ኵሉ ኪኸውን ከሎ በዒንቶም ዝረኣኣይዎ ሰባት ብቝጽሪ ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም። ምስ’ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎን ዝነበረን ክርስትያን ወለዶታት ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣብ ግምት ኪኣትው ዘይክእል ኢምንት’ዩ። ነዚ ኣስተርእዮ’ዚ ናብ ኵላትና ዘርኢ ኣዳም ምእንቲ ኺበጽሕ ግና፡ ሃዋርያት ቀቢኡ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለኣኾም። ነቲ መልእኽቶም ድማ “ወንጌል (ብስራት)” ኢሉ ሰመዮ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ፡ ንርእሱ ኸም ኣብነት ገይሩ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ብርግጽ ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ ንጥቕምኹም ዝሃበኒ ናይ ኣገልግሎት ጸጋ ሰሚዕኩምዎ ኣለኹም። ከም’ቲ ኣቐዲመ ብሓጺሩ ጽሒፈልኩም ዝነበርኩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ። ነቲ ዝጸሓፍክዎ እንተ ደኣ ኣንቢብኩምዎ፡ ነቲ ብዛዕባ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ (ምስጢር’ዚ) ኸም’ቲ ሕጂ ነቶም ቅዱስን ሃዋርያቱን (ናይ ሓድሽ ኪዳን) ነብያቱን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገልጸሎም፡ ነቶም ቀዳሞት ወለዶ (ናይ) ደቂ ኣዳም ኣይተገልጸሎምን። . . . ኣነ ኸኣ (በቲ መለኮታዊ ኣሰራርሓኡ) ብዝተዓደለኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ናይ’ዚ ወንጌል’ዚ ኣገልጋሊ ዀንኩ። ንኣይ፡ ካብ ኵሎም ቅዱሳን ዝነኣስኩ’ኳ እንተ ዀንኩ፡ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ኪሰብክ፡ እዚ ጸጋ’ዚ ተዋህበኒ። እዚ ኻብ ዘለኣለም ኣብ’ቲ ንዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ተሰዊሩ ዝነበረ (ምስጢር’ዚ)፡ . . . (እንታይ) ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርሃሉ ተዋህበኒ።” ኤፌ 3፡2-5,7-9 ካ.ት
“ከም’ቲ ብእግዚኣብሄር ዝተዋህበኒ መዝዚ፡ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብክ፡ ናይ’ዛ ቤተ ክርስትያን’ዚኣ ኣገልጋሊ ዀንኩ። እዚ ምስጢር’ዚ ኻብ ዘለኣለም (ኣትሒዙ) ንውሉድ ወለዶ ተሰዊሩ ነበረ፡ ሕጂ ግና ንቕዱሳኑ ተገልጸ (ተስተርኣዮ)። . . . እዚ (ምስጢር’ዚ) ኸኣ እቲ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝዀነ ኣባኻትኩም ዘሎ ክርስቶስ’ዩ። ንሕና (ሃዋርያት) ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍጹም (ብክርስቶስ ምሉእ) ጌርና ምእንቲ ኸነቕርቦ፡ ብጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፡ ንዅሉ ሰብ’ውን እናመሃርና፡ (ንክርስቶስ) ንሰብኽ (ነስተርእይ) ኣለና።” ቈሎ 1፡25-28 ካ.ት
ካብ’ዚ ምኡዝ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ኸም ‘ንግንዘቦ’ምበር፡ እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ንኣና ዝተዋህበ ኣስተርእዮ እቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ፡ ብቕዱሳን ነብያትን ሃዋርያት ዝተዋህበ ትምህርቲ’ዩ (1ጴጥ 1፡11 ካ.ት ፣ ኤፌ 3፡5 ካ.ት)። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ “ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተነደቕኩም (ኢኹም)” ዝተባህለልና (ኤፌ 2፡19,20 ካ.ት)። ደቂ ሓድሽ ኪዳን ናይ ምዃንና ፍሉይ ክብሪ ድማ፡ እዚ ንኣሽሓት ወለዶታት ተሰዊሩ ዝነበረ ኣስተርእዮ’ዚ ብመንፈስ ቅዱስን ብሃዋርያትን ምዕዳልና’ዩ።
ነዚ ዜድሕንን ዜሐጕስን ኣስተርእዮ’ዚ ብኸመይ ኢና እነጥርዮ፧ ኣስተርእዮ ናይ ምርካብን ረብሓኸ እንታይ’ዩ፧ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ምርክብ ኣስተርእዮ ንጡፍ (active)’ምበር፡ ልኡም (passive)) መስርሕ ኣይኰነን። እቲ ዝዓበየ፡ ምንጪ ኣስተርእዮ ንባብን ትምህርትን’ዩ (ኤፌ 3፡2-4 ፣ ቈሎ 1፡28 ካ.ት)። ንናይ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ጽሑፋት ብተመስጦ ምንባብን ብዕምቈት ምምርማርን ኵሎም ቅዱሳን ዘዘውተርዎን ዝተዓወቱሉን መንፈሳዊ ጥበብ’ዩ (ግብ 17፡11 ፣ 1ጢሞ 4፡13 ፣ 2ጢሞ 3፡4,115 ፣ ራእ 1፡3 ፣ እዝ 7፡10)። እቶም ኣብ መንበር ሃዋርያት ዝተቐመጡን ኣገልግሎቶም ዝተረከቡን መራሕትን ኣገልገልትን ናይ ቤተ ክርስትያን’ውን፡ ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎን ብግብሪ ዝፈጸሞን፡ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ምሉእ ኣስተርእዮ ዜጸግዎን ብክርስቶስ ምሉእን ፍጹምን ዚገብሮን ትምህርቲ ብሃዋርያዊ ጥበብ መዓልትን ለይትን ኪህቡ ይግባእ (ግብ 20፡26,27,31)። ከምኡ እንተ ዘይገበሩ፡ ከም’ቶም ኣብ መንበር ሙሴ ዝተቐመጡ ግን ከኣ ግብሪ ሙሴ ምግባር ዝተሳእኖም ፈሪሳውያን ኰይኖም፡ ብዕዳ ደም ናይ’ቲ ዜገልግልዎ ህዝቢ ኺሕተቱ’ዮም (ማቴ 23፡2-3 ፣ ሉቃ 11:46 ፣ ፣ ግብ 15:10 ፣ ገላ 6:13)። ነፍሲ ወከፍ ምእመን ኰነ ኣገልጋሊ ድማ ናብ ምሉእነትን ፍጹምነትን ንምብጻሕ፡ ነቲ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ዚዳለው ትምህርቲ ብልዑል ተገዳስነት ኪመሃሮን፡ ኣብ ልቡ ዓቝሩ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎን ተሓታትነት ዜስዕብ ሓላፍነት ኣለዎ። ብዛዕባ ክርስቶስ ፍልጠትን ኣስተርእዮን ምርካብ ዘየሕጕሶ ክርስትያን ግን፡ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕናን ቍመናን ስለ ዘየሎ፡ ዘለኣለማዊ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ኸም ዘሎ ኽንዝንግዕ ኣይግባእን። ኵላቶም ቅዱሳንና ካብ ቃል እግዚኣብሄር ብዝረኸብዎ ኣስተርእዮ ኣዝዮም ይሕጐሱን፡ ከም ብዙሕ ሃብቲ ይቘጽርዎ ኸም ዝነበሩን ተጻሒፉልና ኣሎ (ገላ 1፡11-12 ፣ 1ጴጥ 4፡13 )። ቅዱስ ጳውሎስ፦
“እንተ ዀነ ነዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ኸም ክሳራ ቘጸርክዎ እወ፡ ምእንቲ’ቲ መዘና ዘይብሉ (ብሉጽ) ፍልጠት ናይ’ቲ ጐይታይ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ንዅሉ (ኻልእ) ነገር ከም ክሳራ እቘጽሮ ኣለኹ። ምእንትኡ ኽብል ኵሉ እስእን ኣለኹ፡ ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውን ከኣ ንዅሉ (ካልእ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣለኹ።” ብምባል ዓብይ ኣርኣያ ዀይኑና ኣሎ (ፊል 3፡7,8 ካ.ት)። እዚ ቓል’ዚ ረብሓ ኣስተርእዮ እንታይ ምዃኑን፡ ንኣስተርእዮ ብኸመይ ክንርእዮ ኸም ዚግብኣናን ኣነጺሩልና ኣሎ። እቲ ብናይ ጐይታ ኣስተርእዮ ዚረብሕን ዚሕጐስን ከኣ እቲ ኣብ’ዛ ሃዋርያዊት መሰረትን ኣርኣያን’ዚኣ ዝቝመን ዝጸንዐን ጥራሕ’ዩ።
እምበኣር ነዚ ሃይማኖትና “ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ” ዀይኑና ዲና ንስዕቦ ዘለና ወይስ ከም’ቲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዝመኸረልና፡ ኣቦታትና ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ዝገለጹልናን ዘርኣዩናን ኴንና ብኣስተርእዮ ኢና ንስዕቦ ዘለና ርእስና ብዘይ ንሕስያ ንመርምር። ኣብ’ቲ ሃዋርያዊ መሰረትና ጸኒዕና እንተ ዘይጸኒሕና ብንስሓ ንቕናዕ። ናይ ብሓቂ ጸኒዕና እንተ’ሊና ግን፡ ዕድሜና ምሉእ ብልደቱ ንፈሳህ ብኣስተርእዮ ኸኣ ንተሓጐስ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
9 የካቲት 2025 | የካቲት 1, 2016 ግዕዝ (መበል 22 ሰንበት: ቊ.፳፪/22) |
||
ምስባክ መዝ.፺፯(፺፰)፡፪-፫ “አርአየ እግዚአብሔር አድኅኖቶ።ወበቅድመ አሕዛብ ከሠተ ኪዳኖ።ወተዘከረ ሣህሎ ለያዕቆብ።” ዓዲ፡ መዝ.፵፯(፵፰)፡፰ “በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ።በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ።እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 1፡1-12 |
ዲያቆን |
|
1 ጴጥ 1፡13-22 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 19፡1-10 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 2፡36-40 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ሖረ ኢየሱስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ