S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 (ክርስቶስ) ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ተሓርየ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኻትኩም ተገልጸ። ንስኻትኩም እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ (ንክርስቶስ) ካብ ምውታት ዘተንስኦ፡ ክብሪውን ዝሃቦ ኣምላኽ ኣመንኩም።1ጴጥ 120,21 .

እዚ ዕለት ናይ ዘለናዮ ዘመነ ኣስተርእዮ ራብዓይ ሰንበትዩ። ናይ ሎሚ ዓመተ ግእዛ (2017 .) ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመነ ኣስተርእዮ፡ ካብ በዓለ-ጥምቀት (ጥሪ 11) ክሳዕ ምእትው ዓብይ ጾም (ለካ. 16 ) ዚዝርጋሕ ናይ 35 መዓልታት ዘመንዩ። እቲ ነዚ ዕለት ዝተሰርዐ መዝሙር ቅዱስ ያሬድን ክልተ ኣማራጺ ምስባካትንውን ነዚ ዘመነ ኣስተርእዮ ዘማእከለ ትሕዝቶ ዘለዎዩ። ነዚ ዕለት ብቕዱስ ያሬድ ዝተደርሰ መዝሙር-ሰንበት፡ተወልደ ኢየሱስዘርእስቱ ዀይኑ፡ ነዚ ናይ ዕለት ኣርእስትና፡ንትፌሣሕ በልደቱ ወንትኃሠይ በኣስተርእዮቱ” (ብልደቱ ንተሓጐስ፡ ብኣስተርእዮኡ (ብምግላጹ) ድማ ባህ ይበለና) ኢሉ ዚዕድም ትሕዝቶ ዘለዎዩ። እቲ ነዚ ዕለት ተሰሪዑ ዘሎ ክልተ ናይ ምስባኽ ኣማራጺታትውንአርአየ እግዚኣብሔ አድኅኖቶ” (እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣርኣየ) ከምኡውን፡በከመ ሰማዕነ፡ ከማሁ ርኢነ” (ከም ዝሰማዕናዮ፡ ከምኡ ረኣና) ዚብል ናይ ኣስተርእዮ ትሕዝቶ ዘለዎዩ። ብርግጽ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ ብልሳን ቅዱሳን ነብያት ዝተነግረ ናይ ምድሓን ተስፋ፡ ካብ ልደቱ ጀሚሩ፡ ኣብ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዘመነ-ኣስተርእዮኡ ብግህዶ ተራእዩን ተገሊጹንዩ። እቲ ኣብ ዕለት ዝተነብበ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል ዚገልጽዩ። ንሳ ነቲ ገና ናይ  40 መዓልታት ናጽላ ዝዀነ ኢየሱስ በዒንታ ምስ ረኣየቶ፡ እቲ ንዓለም ዜድሕን መድሓን ዓለም ንሱ ምዃኑ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸላ፡ ነቶም ምድሓን እስራኤል ዚጽበዩ ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ፈራህቲ ኣምላኽ፡ንሱ መድሓኒኢላ ብዛዕባኡ፡ ብዛዕባቲ ህጻን ኢየሱስ ተዛረበቶም። እቲ ኣብ ለካቲት 8 እንዝክሮ ነብዮ ሳምኦንውን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ ተስፋ ረኺብዎስ፡ ንመድሓኒኡ ኺሓቍፍ ምስ ተዓደለ።ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዅሉ ህዝብኻ ዘዳለኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸም ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ።ብምባል እግዚኣብሂር ምድሓኑ ዜርእየሉ ዘመነ-ኣስተርእዮ ኸም ዝኣኸለ ኣበሲሩ (ሉቃ 225-32) እምበኣር፡ ንሕናውን፡ ኣብ ዘለናዮ ዘመነ ኣስተርእዮዚ፡ ከምዞም ዝተጠቕሱ ቅዱሳን ነብያት፡ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኣብ ዘመነ ኣስተርእዮኡ ዘግሃዶ ምድሓን ርኢናዮን ፈሊጥናዮን፡ ካብኡ ሓሊፍናውን ረኺብናዮስ ኣብ መገዲ ድሑናት ምቛምናን ምህላውናን እነረጋግጸሉ ቕንያትዩ። ኣብ መገዲ ጥፉኣት ኴንካ ብዛዕባ ኣኣብ ዘመን ኣስተርእዮ ዝተገልጸ ምድሓን ምሕሳብ፡ ኣብ ዘይውራይካ ብዓል ጕዳይ ከም ምዃን ኪቝጸረናዩ። ከመይሲ ዘመነ ኣስተርእዮ፡ ዘመን ድሕነትን ዘመን ድሑናትን ጥራሕዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተክርስትያንና፡ ካብ ጽባሕ ሰኑይ ክሳዕ ረቡዕ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ጥሪ 26 ክሳዕ ጥሪ 28 ዘሎ ቕንያትጾመ ነነዌእንጾመሉ ቕንያትዩ። እዚ ፍሉይ ታሪኻዊ ጾምዚ፡ ፍረ ሓቀኛ ንስሓ እንታይ ምዃኑ ብስእላዊ መገዲ ዜርእየናዩ።ነነዌኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ናይ ሽዑ ርእሰ-ሓያላት ዝነበረ መንግስቲ ኣሶር ዋና ኸተማ ዝነበረትያ። ሕጂ ኣብ ሃገር ኢራቕትርከብ ዑናያ። እቲ ህዝቢ ኣምላኺ ጣኦት ኣረማዊ ኽነሱ፡ እግዚኣብሄር ብዓይኒ ምሕረት ጠሚቱ፡ ካብ ጥፍኣት ኬድሕኖም ካብ እስራኤል ነብዪ ለኣኸሎም። ንሳቶም ከኣ ይትረፍ ካልኦት ኣህዛብ፡ እስራኤላውያን ገይሮምዎ ብዘይፈልጡ ተኣምራዊ ኺበሃል ብዚኽእል ኣገባብ ብጾምን ጸሎትን ግብራዊ ንስሓ ኣተዉ። እዚ ታሪኽ ናይ ኣገልግሎቱ ትእምርቲ ምዃኑ ጐይታና ባዕሉ ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 1238-41) ሕጂ ድማ ንሕና ብዛዕባ ህዝቢ ነነዌ ዘይኰነስ ነቲ ናቱ ኣርኣያ ተኸቲልና፡ ብዛዕባ ርእስናን ብዛዕባ ሃገርናን ንኣምላኽ ዜስምር ጾምን ጸሎትን ከነቕርብ ተሰሪዑልና። ስለ ብርሃን ወንጌል ከም ዝረኸቡ ክርስትያን ህዝቢ መጠን ካብ ናይዞም ኣረማውያን ሰባት ብዚበልጽ መገዲ ኽንትግብሮ ይግብኣና።

ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናንውን ብዛዕባ ምእንታና ዝተጋህደን ዝተገልጸን ኢየሱስ ዚገልጽዩ። ኣብ ጐይታና ብኣካል ዜገልግለሉ ዝነበረ ዘመን፡ እስራኤላውያን ንሱ መድሓኒ ምዃኑ ስለ ዘይተራእዮም፡ ነቲ መድሓኒኦም ኬጥፍኡ ይጋደሉ ነበሩ። እቲ ሓቂ ተገሊጹልካስ ክትርእዮን ከተስተውዕሎን እንተ ዘይክኢልካ፡ ኣንጻር ረብሓኻ ኢኻ ደውትብል። ንሕናውን ነቲ መድሓኒና ብኣካል ስለ ዘይረኸብናዮ ኽንቀትሎ እንተ ዘይከኣልና ሓጢኣት ነዘውትር እንተሊና፡ ከም ቕዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ዘሎ፡ ብእኡ ዝኣመንና ክርስትያን ህዝቢ ኽነስና፡ በቲ ፈቲና እንዘውትሮ ሓጢኣት ንእኡ ዳግማይ ናይ ምስቃል ፈተነን ሃቐናን ከም ዘሎና ብግብሪ ነግህዶ ኣለና (እብ 64-6) ናይ ብሓቂ ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ዝረኸበ ሰብ ግና፡ ከምኡ ኣይገብርንዩ። ብልደቱ ዀነ ብኣስተርእዮኡ ባህ ኪብለና ክንሕጐስን እንበቅዕ፡ ናይ ኣስተርእዮኡ ዕላማ ኣብ ህይወትና ብግብሪ ምስ ዚፍጸም ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ሰሪዓትልና ዘላ ዘመነ ኣስተርእዮ ብዕምቈት ክንርድኦን ብግብሪ ኽንረብሓሉን ይግብኣና።

ኣስተርእዮማለት እንታይ ማለት ድዩ፧ ንምንታይ ኢና ብዛዕባ ናይ ጐይታ ኣስተርእዮንሕጐስ፧ መን ናይ ብሓቂ ብኣስተርእዮ ናይ ጐይታና ኺሕጐስ ዚኽእል፧ኣስተርእዮናይ ቁንቋ ግእዝ ቃልዩ። ካብ ቋንቋናውን ርሑቕ ኣይኰነን። ምስምርኣይዚተሓሓዝ ቃል ምዃኑ፡ ካብ ፊደላቱ ጥራሕ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ቀጥታዊ ትርጕም ግና፡ምግላጽ፡ ግልጸት፡ ግህደትማለትዩ። እዚኣስተርእዮዚብል ቃል፡ ምስምርኣይዚዛመድ፡ ናይረኣየዚብል ሱር-ግሲ ረባሕታ ምዃኑ ርዱእዩ።ረኣየዚብል ቃል ግና፡ ናይ ግድን በዚ ናይ ስጋ ኣዒንትናን ዚረኣዩ ነገራትት ጥራሕ ኣይኰነናንንጥቀመሉ ንኣተሓሳስባና ንኣረዳድኣናውንኣረኣእያብዚብል መለሳ-ቓል ተኪእና ንጥቀመሉ ኢና። ስለ ሓደ ሓሳብ ኪግለጸልና፡ ኪርድኣና ካብኡ ሓሊፍናውን ክንቅበሎን ክንኣምኖን ከለናኣስተርእዮ (Revelation) ረኺበብምባል ክንገልጾ ንኽእል ኢና። ሓደ ቛንቋ እናዓበየ ዚኸይድ፡ ካብ መበቈሉ ቋንቋን ካብቶም መባቝልቱ ዝዀኑ ኣሕዋቱ ቋንቋታትን ኪልቃሕ ምስ ዚኽእልዩ። ስለ ኻብ መበቈል ቋንቋና ዝዀነ ግእዝን፡ ካብ ካልኦት ሴማውያን ቋንቋታትን (ዓረብ እብራይስጢ፡ ኣራማይስጢ ወዘተ) እናተለቃሕና ንቋንቋ ትግርኛ ከነሀብትም ይግባእዩ። እዚኣስተርእዮዚብል ቃል ምስናይ ኵሉ ረባሕታት ኣብ ትግርኛና ኺረዓምውን ኣድላዪዩ። እዚ ኸኣ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኵሉ ስብከቶምን፡ ኣስተምህሮኦምን ዝርርባቶምን ምስ ዜዘውትርዎን ናብ ተገልጋሊ ህዝቢ ምስ ዜስርጽዎን ክዉንን ውጽኢታውን ዚኸውን።

ጐይታና ምእንቲ ዅሉ ህዝቢ ዓለም ተወሊዱን ተገሊጹን ክነሱ፡ ኵሉ ህዝቢ ዓለም ግን ብዛዕባ ኣስተርእዮ ኣይሕጐስንዩ። ይትረፍ ነቲ ኻብ ሃይማኖት ክርስትና ወጻኢ ዘሎ ዅሉን፡ ነቲ ብመሰረቱ ብህላውነት ኣምላኽ ዘይኣምን ኣረሚን ህዝብን፡ ዋላብክርስቶስ እኣምንዚብል ክርስትያን ህዝቢ ኵሉውን ብዛዕባ ኣስተርእዮኡ ብማዕረ ኣይሕጐስንዩ። መብዛሕትኡ ሰብ፡ ነቲ እምነት ክርስትና ካብ ወለዱ ስለ ዝወረሶምበር፡ ናይ ብሓቂ በሪሁሉ፡ ተረዲእዎ፡ ኣስተርእዮ ረኺቡ ዝኣመነን ዚስዕብን ኣይኰነን። ዋላ ኣብ ቤተ ክርስትያንና እንተ ረኣና፡ ብዘይካ ኣብ እናበኸዩ ዝተጠምቁላ ዕለትን፡ ሞይቶም ፍትሓት ኺግበረሎም ዓጽመ -ስጋን ዓርከ-መሓዛን እናበኸየ ዘምጽኦም ዕለትን፡ ፈጺሞም ናብ ቤተ ክርስትያን መጺኦም ዘይፈልጡ ሰባት ብቝጽሪ እቶም ዚበዝሑዮም።ሃይማኖትካ እንታይዩ፧ ብኣምላኽከ ትኣምንዶ፧እንተ ዚብሃሉ ግና፡ብኣምላኽ እኣምን ሃይማኖተይ ድማ ተዋህዶንምባል ድሕር ኣይብሉን፡ ስኽፍውን ኣይብሎምዩ። ካብ ዚመላለስ ህዝቢውን ቤተ ክርስትያን መስቀልን ተሳሊምካ፡ ምጽዋትን መባእን ሂብካ ምምላስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዛዕባእኣምናየ፡ ቤተ ክርስትያነይዚብላ ሃይማኖቱ ኽንዲ ፍረ ኣድሪትኸውን ፍልጠት ዘይብሉ ሰብ ይበዝሕ። እቲ ብኸም ዚነብር ህዝቢ ድማ ብዛዕባ ኣስተርእዮ ይትረፍ ክሳዕ ምሕጓስ ኪበጽሕ፡ ዜሐጕስ ነገር ይሃልው ኣይሃልውውን ዋላ ሓንቲ ዚፈልጦ የብሉን። እቲ ጸገም ግን ብፍልጠት ጥራሕ ዚፍታሕውን ኣይኰነን። ኣኺሉ ዚተርፍ ምስ ሊቅነት ዚስራዕ ፍልጠት እናሃለዎምውን፡ ነቲ ረብሓኡ ብግብሪ ስለ ዘይፈልጥዎን ስለ ዘይተመኮርዎ፡ ኣብ ውሽጢ ልቦም ፈጺሙ ጠላሕ ዘይብሎምውን ውሑዳት ኣይኰኑን።

ናይ መድሓኒኡ ኣስተርእዮ ኣዝዩ ዜሐጕሶ፡ እቲ ንድሕነት ከም እኽለ-ማይ ኣዝዩ ዚጠምያን ዚጸምኣን ሰብ ጥራሕዩ። እቲ ብሰሪ ሓጢኣቱ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ይጽበዮ ኸም ዘሎ፡ ባዕሉ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ካብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኼድሕኖ ዚኽእል ካልእ ኣካል ፈጺሙ ኸም ዘየለ ብምሉእ ልቡ ዝተረድአ ሰብንኣኻ ካብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ንኼድሕነካ፡ ምእንታኻ ተሰቒሉን ሞይቱን ኪብጀወካ፡ ኣምላኽ ስጋ ለቢሱ ሰብ ኰይኑ መጺኡልካ ኣሎኺሰምዕ ከሎ፡ ብልደትን ኣስተርእዮን ናይ መድሓኒኡ መለክዕን መግለጽን ዘይርከቦ መጠን ናይ ሓጐስ ኪሕጐስ፡ ባህርያውን ጽቡይን ግብረ መልሲዩ። ስለ መጠን ናይ ሓጐስና፡ ምስ ብዛዕባ ሓጢኣትናን ሳዕቤናቱን ዘሎና ርድኢት ቀጥታዊ ዝምድና ዘለዎዩ። እቲ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ብዘይ ዝዀነ ቐልዓለም ምሉእ ብምሉእ ዝተኣመነ፡ ካብ ነባርን መሪርን ሳዕቤን ናይ ሓጢኣቱ ኺድሕን ልዑል ባህጊ ዘለዎ ሰብ፡ ብናይ ጐይታና ኣስተርእዮ እቲ ዝለዓለ መጠን ናይ ሓጐስ ይስምዖ። እቲ ብዛዕባ ገዛእ ሓጢኣትናን ጥፍኣትናን ዘሎና ተኣምኖ እናጐደለ ብዝኸደ መጠን ድማ፡ እቲ ብዛዕባ ኣስተርእዮኡ ዚስምዓና ፍስሃን ሓጐስን ብእኡ መጠን እናጐደለ፡ ክሳዕ ባዶ ኺበጽሕውን ይኽእልዩ።

እቲ ብናይ ጐይታ ኣስተርእዮ ዚሕጐስ መን ምዃኑን ንምንታይ ከም ዚሕጐስን ካብ ፈለጥና፡ እቲ ዜሐጕስ ግብራዊ ኣስተርእዮኸ እንታይዩ፧ መልሲ ናብ ሕቶ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተዋሂቡ ኣሎ። ኣስተርእዮ ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝተባህለ ዅሉን ብባዕሉ ብክርስቶስ ዝተገልጸ ዅሉን፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ኵሉን ዜጠቓልልዩ። ናይ ጐይታ ኣስተርእዮ፡ ቅድሚ ምፍጣር ሰብ ዘይኰነስ፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተመደበን ዝተሰርዐንዩ። እቲ ዝተመደበ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማያት ብእግዚኣብሄር (God- head) ዝተመደበኣስተርእዮዚበሃል ድማ እዚ ብመለኮት ኣብ ሰማያት ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተመደበ ምኽሪ-ኣምላኽ ኪግለጽ፡ ኪፍለጥ ሰባት ኪርድእዎ ኸለው ማለትዩ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሰማያዊ መደቡ ካብ ንሰብ ዝፈጠረላ ጊዜ ጀሚሩ ብግብሪ ዀነ ብቓላት ኪገልጽን ኣስተርእዮ ኺህብን ዝጀመረ። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን፡ ካብ ኣዳምን ሄዋንን ዝወደቑላ ዕለት ጀሚሩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኬግህዶን ኪገልጾን ዝመደበ ግብሪ ምድሓን ብዝተፈላለየ መገዲ የመልክት ነበረ። እቲ ዜመልክተሉ መገዲ ገሊኡ ትእምርታዊ (ምልክታዊ) ትንቢት ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ብልሳን ነብያት ዚንገር ቃላዊ ትንቢት ነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት ከምጽላሎትናይ ክርስቶስ ገይሩ ብግሩም ኣገባብ ይገልጾ ነበረ። ብዛዕባ ጽላሎት ግሩም ኣፍልጦን ተመክሮን ስለ ዘሎና፡ እዚ ኣገላልጻ ብቐሊሉ ኺርድኣና ዚኽእልዩ። ጽላሎትና፡ ዋላ ምሉእ ብምሉእ ኣይኹን፡ ብገለ ሸነኹ ንኣና ይውክለናን ይገልጸልናንዩ። ቍመናናን ቅርጽናን ብመጠኑ ደኣ የመልክትምበር፡ ጽላሎት ጥራሕ ርእዩ።እዚ ናይ እከለ ጽላሎትኢሉ ኺፈልይን ኬመልክትን ዚኽእል የልቦን። ነቲ ጽላሎት ዚገብር ሰብ ምስ ረኣዮ ግን፡ ኣረጋጊጹእዚ ጽላሎት ናይ ሰብኢሉ ኺዛረብ ይኽእልዩ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት ድማ ናይ ክርስቶስ ጽላሎት ዝነበረ። ነቲ ጽላሎት ጥራሕ ርእዩ፡ ንክርስቶስ ኪፈልጦ ዝኸኣለ ግን ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ብኣካለ ስጋ ምስ ተራእየን ምስ ተጋህደን ግና፡ ኵሉ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓትን ታሪኽን ናቱ ጽላሎት ምዃኑ ንዅላትና ተጋህደ። ነዚ ንምግላጽ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም ዚስዕብ ብጽሑፍ ኣስፊሩልና ኣሎ።

ደጊም ብብልዕን መስተን ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ ኣይፍረደልኩም። እዚ (ዝተጠቕሰ ስርዓታት) ነቲ ዚመጽእ (ክርስቶስ) ጽላሎቱዩ፡ እቲ (ነቲ ጽላሎት ዝፈጠረ ቐንዲ) ስጋ ግና ክርስቶስዩ።”   ቈሎ 216,17

ሕጊ ኦሪት ናይ ዚመጽእ ሰናይ ነገር (ናይ ክርስቶስ) ጽላሎትምበር፡ እቲ ነገር ብርእሱ (ክርስቶስ ብቐንዱ) ኣይኰነን። (ጽላሎት ስለ ዝዀነ) ድማ፡ እቲ (ዓመት መጸ) ኵሉ ሳዕ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት፡ ነቶም ዜቕርብዎ ሰባት ፍጹማት (ቅዱሳት) ኪገብሮም ከቶ ኣይክእልንዩ። . . . ኢየሱስ ክርስቶስ (ብስጋ ተገሊጹ) ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጸም፡ ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ዝሰውአ፡ (ኵላትና ብእኡ) ተቐዲስና ኢና። . . . ክርስቶስ ግና ሓንሳእ ንሓዋሩ እትኸውን መስዋእቲ ምእንቲ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ . . . ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንዘለኣለም ፍጹማን ገበሮም።እብ 101,10,12,14 .

ኣብ ካልእ ክፍልታት ናይ መልእኽቱውን ነዚ ናይ ጽላሎትን ስጋን ሓሳብ ተጠቒሙሉ ኣሎ (እብ 85 [1-6] . 98-10 .) ናይ ቅዱስ ጳውሎስጽላሎታዊ ወይ ግዳማዊ ስርዓትኢሉ ዝጸውዖ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣገልግሎት ምስጢር ዝተገልጸ፡ ጐይታና ብልደቱን ብኻልእ ኵሉ ኣስተርእዮኡን ምስ ተጋህደዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንርእሱ፡ ናይ ጽላሎታውን ግዳማውን ስርዓት ቀንዲ ተሓላቒ ዀይኑ፡ ንመንግስቲ ክርስቶስ ካብ ገጽ ምድሪ ኼጥፍእ ብምሉእ ሓይሉ ዚጋደል ጨካንን ሕሱምን ጸላኢ ዝነበረ። እቲ ምሕረተኛ ጐይታ ኣብ መገዲ ደማስቖ ኸቲሩ ርእሱ ምስ ገለጸሉ፡ ናይ ጐይታና ባዕሉ ዝሰርዖ ናይ ብሉይ ኰነ ናይ ሓድሽ ኪዳን ምስጢራት ምሉእ ኣስተርእዮ ምስ ሃቦ ግና፡ ምእንቲ ዝተጋህደሉ ሓቂ ኽሳዱ ንሰይፊ ኺህብ ድሕሪ ዘይብል ብምስጢራት ክርስቶስ ዝጸገበ ተባዕ ሃዋርያ ዀነ። ኣስተርእዮ ዘይረኸበ ውጹዕ ሰብ፡ ዕድሚኡ ምሉእ ናይ ጽላሎት ኣገልጋሊ ዀይኑ ዚተርፍ። ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣስተርእዮ ዝጸገበ ክርስትያን ግና ናይ ህያው ክርስቶስ ብቑዕ ኣገልጋሊ ዚኸውን። ኣይሁድ ነቲ መድሓኒኦምን ደቀ መዛሙርቱን ኪቐትሉ ኪህንደዱ ዝነበሩ ይዋኣዮም፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ኣስተርእዮ ስለ ዘይረኸቡዮም። ኣገዳስነት ኣስተርእዮ ኸም ዚግባእ ኣስተውዒሎምዘመነ ኣስተርእዮዚሰርዑ ቅዱሳን ኣቦታት ንዝሃበና ልዑል ኣምላኽ ግን ክብሪ ይኹኖ። እዚ ኽቡር ዘመን ናይ ጽላሎት ኣምለኽትን ኣገልገልትን ኴንና ኸይንተርፍ፡ ካብ ዝጸልመተ ኣእምሮን ካብ ዝተደፍነ ልብን ንኽንድሕን ዝተሰርዓልናሞ፡ እቲ ኣእምሮ ሃዋርያትን ልቢ ሊድያን ዝኸፈተ ኣምላኽ፡ ኣእምሮናን ልብናን ከፊቱ ብዙሕ ኣስተርእዮ ኺህበናን ኪኸስተልናን፡ ብጸሎት ክንልምኖን ብኣጽንዖት ክንምሕጸኖን ይግብኣና።

እቲ ብቕዱሳን ነብያት ብግህዶ ዝተነግረ ማእለያ ዘይብሉ ትንቢታትውን፡ ኣካል ናይ ብእግዚኣብሄር ዝተዋህበ ጥንታዊ ኣስተርእዮዩ። ካብ ትንቢታት ዝተላዕለ ድማ ኵሎም ኣይሁድመሲሕ ኪመጻልናዚብል ልዑል ተስፋ ኸም ዝነበሮም፡ ኣብ ወንጌላት ብስፍሓት ተገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 119-22,41,45 425 725,26,31,40-42 1234) ነቲ ብዛዕባኡ ዝተዘርበ ትንቢታት ደኣ ይፈልጥዎን ይዛረቡሉን ነይሮምምበር፡ ብኣካል ምስ መጸስ፡ ኬለልይዎ ዀነ ኪቕበልዎ ኣይኰነሎምን፡ ብኣንጻሩ መከራ ኣጽጊቦም ብሕሱም ጭካነ ቐተልዎ። ምኽንያቱ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ጥራሕ ዚርከብ ኣስተርእዮ ኣይረኸብዎን፡ ዋላ ንርእሶም ነቶም ዝተነበይዎ ነብያትውን ግሉጽን ብሩህን ኣይነበረን። እቲ  ብገዛእ ኢዱ ዘጥመቖ ነብዪ ዮሃንስ መጥምቕውን፡ ከም ዘይፈለጦ ባዕሉ ተኣሚኑዩ።

እቲ ብዛዕባኡ፡ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ።ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስከረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፥ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ።ዮሃ 130-34

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎውን ኸምእቲ ዚመጽእ ንስኻ ዲኻ፧ ወይስ ካልእ ክንጽበይ ኢና፧ኢሉ ሓቲቱ፡ዩ (ማቴ 112-6) ጐይታናውን ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነቲ ናይ ክርስቶስ ነገር ኪርእዩን ኪሰምዑን እናተመነዩ ኸም ዘይረኸብዎ ገሊጹ (ማቴ 1316,17 ሉቃ 1023,24) ብዝበለጸ መገዲ ዘነጸሮ ግን ቅዱስ ጴጥሮስዩ።

እቶም ብዛዕባ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ ዝተነበዩ ነብያት፡ ብዛዕባ ምድሓን ብዓብይ ጥንቃቐ መርመሩ። እቲ ኣብቶም ሓዲሩ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን ብዛዕባ ዚስዕብ ክብሩን ዚንበኡ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን (ብዛዕባ) ኣየናይ ጊዜን የመልክት ከም ዝነበረ ይምርምሩ ነበሩ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩምምበር ንገዛእ ርእሶም ከም ዘይኰነ ገለጸሎም። እዚ (ምስጢራት) በቶም ካብ ሰማይ ብዝተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም ዝሰበኹልኩም (ሃዋርያት) ሕጂ ተነጊሩኩም (ተገሊጹልኩም፡ ኣስተርእዮ ተዋሂቡኩም) ኣሎ። ነዚ (ምስጢራት) መላእክቲውን ኪርእይዎ ይብህጉዮም።” 1ጴጥ 110-12 .

እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲዚ፡ ኣቦታትና ነብያት ነቲ ዚንበይዎ ዝነበሩ ትንቢት ይፈልጥዎ ኸም ዘይነበሩ፡ ስለ ነቲ ምግላጽ ወይ ኣስተርእዮ ንምርካብ ንገዛእ ትንቢቶም እናመርመሩ ባህጎም ይገልጹ ኸም ዝነበሩ ኣረጋጊጹልናዩ። እምበኣር ንሕናውን ኣብ መሰረት ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ከም ዝተሃነጽና ክርስትያን ህዝቢ መጠን፡ ነዚ ቕዱሳን ነብያትን ቅዱሳን መላእኽትን ዝበሃግዎ ኣስተርእዮ ሓለፋኦም ኣዚና ኽንብህጎ፡ ክንምርምሮ፡ ብዝረኸብናዮ መጠን ከኣ ኣዚና ኽንሕጐሰሉን ክንፍሰሃሉን ይግብኣና። ምኽንያቱ ኣብ ዘመነ ጸልማት ዘይኰነስ፡ ኣብ ዘመነ ብርሃን ኣብ ዘመነ ኣስተርእዮ ዝተፈጠርና፡ ነቦታትና ነብያት ዘይተዋህበ ኽብሪ ዝተዓደልና ወለዶታት ኢና።

ነዞም ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ዝተፈጠርና ወለዶታት ደኣ እዚ ኣስተርእዮ ብኸመይ ተዋህበና፧ እቲ ቐዳማይ ኣስተርእዮኡ፡ እቲቓል ስጋ ዀነዝተባህለሉ፡ ሰባትን ቅዱሳን መላእኽትን ዝጸንበልዎ ልደቱ (ሉቃ 27-14 ማቴ 21-12 ዮሃ 114) እዚ ልደት ኻብ ዘመነ ጽላሎትን ጸልማትን ናብ ዘመነ ኣስተርእዮን ብርሃን ዘሳገረና ኽቡር ልደትዩ። ስለ ኸኣ እቲ ንብስራት ዝተላእከ ቕዱስ መልኣኽ፦

እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዩ ሓጐስ አበስረኩም ኣለኹሞ፡ ኣይትፍርሁ።

ብምባል፡ መሰረት ናይንትፌሣኅ በልደቱዚብል መዝሙር ናይ ዕለት ዝዀነ ብስራት ሃበ (ሉቃ 210,11) ኣብ መዓልቲ ጥምቀቱ ድማ እግዚኣብሄር ኣቦን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅን ብዛዕባ ጐይታና ብዝሃብዎ ምስክርነት ብዛዕባ መለኮታዊ መንነቱ ዓብይ ኣስተርእዮ ተኸስተ (ማቴ 31-17 ማር 17-11 ሉቃ 315-18 ዮሃ 126-350) ጐይታና ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ ድማ ብዝሃቦ ትምህርትን ስብከትን ብዝፈጸሞ ዜስተንክር ተኣምራት መን ምዃኑ ንጹር ኣስተርእዮ ሃበ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ናይ ኣስተርእዮ ጸብጻብን ምስክርንዩ። እቲ ዝዓበየ ኣስተርእዮ ድማ እቲ መድሓን ዓለም ምዃኑ ብሞቱን ትንሳኤኡን ዕርገቱን ዝፈጸሞ ግብሪ ምድሓንዩ። ምኽንያቱ ንሱ ብሞቱ ኺዓርቀና ብትንሳኤኡ (ብህይወቱ) ድማ ምእንቲ ኼድሕኑናዩ፡ ምእንታና ዝተጋህደ፡ ምእንታና ዝተስተርኣየ (ሮሜ 56,8-10 ኤፌ 214-16 ቈሎ 122,23)

እዚ ኵሉ ኪኸውን ከሎ በዒንቶም ዝረኣኣይዎ ሰባት ብቝጽሪ ኣዝዮም ውሑዳትዮም። ምስ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎን ዝነበረን ክርስትያን ወለዶታት ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣብ ግምት ኪኣትው ዘይክእል ኢምንትዩ። ነዚ ኣስተርእዮ ናብ ኵላትና ዘርኢ ኣዳም ምእንቲ ኺበጽሕ ግና፡ ሃዋርያት ቀቢኡ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለኣኾም። ነቲ መልእኽቶም ድማወንጌል (ብስራት)” ኢሉ ሰመዮ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂዚ፡ ንርእሱ ኸም ኣብነት ገይሩ፡ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ብርግጽ ብዛዕባ ኣምላኽ ንጥቕምኹም ዝሃበኒ ናይ ኣገልግሎት ጸጋ ሰሚዕኩምዎ ኣለኹም። ከም ኣቐዲመ ብሓጺሩ ጽሒፈልኩም ዝነበርኩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ። ነቲ ዝጸሓፍክዎ እንተ ደኣ ኣንቢብኩምዎ፡ ነቲ ብዛዕባ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ (ምስጢር) ኸም ሕጂ ነቶም ቅዱስን ሃዋርያቱን (ናይ ሓድሽ ኪዳን) ነብያቱን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገልጸሎም፡ ነቶም ቀዳሞት ወለዶ (ናይ) ደቂ ኣዳም ኣይተገልጸሎምን። . . . ኣነ ኸኣ (በቲ መለኮታዊ ኣሰራርሓኡ) ብዝተዓደለኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ናይ ወንጌል ኣገልጋሊ ዀንኩ። ንኣይ፡ ካብ ኵሎም ቅዱሳን ዝነኣስኩ እንተ ዀንኩ፡ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ኪሰብክ፡ እዚ ጸጋ ተዋህበኒ። እዚ ኻብ ዘለኣለም ኣብ ንዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ተሰዊሩ ዝነበረ (ምስጢር) . . . (እንታይ) ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርሃሉ ተዋህበኒ።ኤፌ 32-5,7-9 .

ከም ብእግዚኣብሄር ዝተዋህበኒ መዝዚ፡ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብክ፡ ናይ ቤተ ክርስትያንዚኣ ኣገልጋሊ ዀንኩ። እዚ ምስጢር ኻብ ዘለኣለም (ኣትሒዙ) ንውሉድ ወለዶ ተሰዊሩ ነበረ፡ ሕጂ ግና ንቕዱሳኑ ተገልጸ (ተስተርኣዮ) . . . እዚ (ምስጢር) ኸኣ እቲ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝዀነ ኣባኻትኩም ዘሎ ክርስቶስዩ። ንሕና (ሃዋርያት) ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍጹም (ብክርስቶስ ምሉእ) ጌርና ምእንቲ ኸነቕርቦ፡ ብጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፡ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና፡ (ንክርስቶስ) ንሰብኽ (ነስተርእይ) ኣለና።ቈሎ 125-28 .

ካብ ምኡዝ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ኸምንግንዘቦምበር፡ እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ንኣና ዝተዋህበ ኣስተርእዮ እቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ፡ ብቕዱሳን ነብያትን ሃዋርያት ዝተዋህበ ትምህርቲ (1ጴጥ 111 . ኤፌ 35 .) ስለ ኸኣዩ፡ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተነደቕኩም (ኢኹም)” ዝተባህለልና (ኤፌ 219,20 .) ደቂ ሓድሽ ኪዳን ናይ ምዃንና ፍሉይ ክብሪ ድማ፡ እዚ ንኣሽሓት ወለዶታት ተሰዊሩ ዝነበረ ኣስተርእዮ ብመንፈስ ቅዱስን ብሃዋርያትን ምዕዳልናዩ።

ነዚ ዜድሕንን ዜሐጕስን ኣስተርእዮ ብኸመይ ኢና እነጥርዮ፧ ኣስተርእዮ ናይ ምርካብን ረብሓኸ እንታይዩ፧ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ምርክብ ኣስተርእዮ ንጡፍ (active)’ምበር፡ ልኡም (passive)) መስርሕ ኣይኰነን። እቲ ዝዓበየ፡ ምንጪ ኣስተርእዮ ንባብን ትምህርትን (ኤፌ 32-4 ቈሎ 128 .) ንናይ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ጽሑፋት ብተመስጦ ምንባብን ብዕምቈት ምምርማርን ኵሎም ቅዱሳን ዘዘውተርዎን ዝተዓወቱሉን መንፈሳዊ ጥበብ (ግብ 1711 1ጢሞ 413 2ጢሞ 34,115 ራእ 13 እዝ 710) እቶም ኣብ መንበር ሃዋርያት ዝተቐመጡን ኣገልግሎቶም ዝተረከቡን መራሕትን ኣገልገልትን ናይ ቤተ ክርስትያንውን፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎን ብግብሪ ዝፈጸሞን፡ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ምሉእ ኣስተርእዮ ዜጸግዎን ብክርስቶስ ምሉእን ፍጹምን ዚገብሮን ትምህርቲ ብሃዋርያዊ ጥበብ መዓልትን ለይትን ኪህቡ ይግባእ (ግብ 2026,27,31) ከምኡ እንተ ዘይገበሩ፡ ከምቶም ኣብ መንበር ሙሴ ዝተቐመጡ ግን ከኣ ግብሪ ሙሴ ምግባር ዝተሳእኖም ፈሪሳውያን ኰይኖም፡ ብዕዳ ደም ናይ ዜገልግልዎ ህዝቢ ኺሕተቱዮም (ማቴ 232-3 ሉቃ 11:46 ግብ 15:10 ገላ 6:13) ነፍሲ ወከፍ ምእመን ኰነ ኣገልጋሊ ድማ ናብ ምሉእነትን ፍጹምነትን ንምብጻሕ፡ ነቲ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ዚዳለው ትምህርቲ ብልዑል ተገዳስነት ኪመሃሮን፡ ኣብ ልቡ ዓቝሩ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎን ተሓታትነት ዜስዕብ ሓላፍነት ኣለዎ። ብዛዕባ ክርስቶስ ፍልጠትን ኣስተርእዮን ምርካብ ዘየሕጕሶ ክርስትያን ግን፡ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕናን ቍመናን ስለ ዘየሎ፡ ዘለኣለማዊ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ኸም ዘሎ ኽንዝንግዕ ኣይግባእን። ኵላቶም ቅዱሳንና ካብ ቃል እግዚኣብሄር ብዝረኸብዎ ኣስተርእዮ ኣዝዮም ይሕጐሱን፡ ከም ብዙሕ ሃብቲ ይቘጽርዎ ኸም ዝነበሩን ተጻሒፉልና ኣሎ (ገላ 111-12 1ጴጥ 413 ) ቅዱስ ጳውሎስ፦

እንተ ዀነ ነዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ኸም ክሳራ ቘጸርክዎ እወ፡ ምእንቲ መዘና ዘይብሉ (ብሉጽ) ፍልጠት ናይ ጐይታይ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ንዅሉ (ኻልእ) ነገር ከም ክሳራ እቘጽሮ ኣለኹ። ምእንትኡ ኽብል ኵሉ እስእን ኣለኹ፡ ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውን ከኣ ንዅሉ (ካልእ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣለኹ።ብምባል ዓብይ ኣርኣያ ዀይኑና ኣሎ (ፊል 37,8 .) እዚ ቓል ረብሓ ኣስተርእዮ እንታይ ምዃኑን፡ ንኣስተርእዮ ብኸመይ ክንርእዮ ኸም ዚግብኣናን ኣነጺሩልና ኣሎ። እቲ ብናይ ጐይታ ኣስተርእዮ ዚረብሕን ዚሕጐስን ከኣ እቲ ኣብ ሃዋርያዊት መሰረትን ኣርኣያንዚኣ ዝቝመን ዝጸንዐን ጥራሕዩ።

እምበኣር ነዚ ሃይማኖትናናይ ኣቦ ንመን ንሃቦዀይኑና ዲና ንስዕቦ ዘለና ወይስ ከም ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዝመኸረልና፡ ኣቦታትና ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ዝገለጹልናን ዘርኣዩናን ኴንና ብኣስተርእዮ ኢና ንስዕቦ ዘለና ርእስና ብዘይ ንሕስያ ንመርምር። ኣብ ሃዋርያዊ መሰረትና ጸኒዕና እንተ ዘይጸኒሕና ብንስሓ ንቕናዕ። ናይ ብሓቂ ጸኒዕና እንተሊና ግን፡ ዕድሜና ምሉእ ብልደቱ ንፈሳህ ብኣስተርእዮ ኸኣ ንተሓጐስ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

የካቲት 2025 | የካቲት  1, 2016 ግዕዝ (መበል 22 ሰንበት: ቊ.፳፪/22)

ምስባክ

መዝ.፺፯(፺፰)፡፪-፫ “አርአየ እግዚአብሔር አድኅኖቶ።ወበቅድመ አሕዛብ ከሠተ ኪዳኖ።ወተዘከረ ሣህሎ ለያዕቆብ።”

ዓዲ፡ መዝ.፵፯(፵፰)፡፰

“በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ።በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ።እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።”

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 1፡1-12

ዲያቆን

1 ጴጥ 1፡13-22

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 19፡1-10

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 2፡36-40

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ ሖረ ኢየሱስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div