“ናይ’ቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ ብምሕረቱ፡ ማለት በቲ ኻልኣይ ልደት ዚህብ (ጥምቀትን) ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን ኣድሓነና። ብጸጋኡ ጸዲቕና ብተስፋ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። እዚ (ቓል’ዚ) እሙን’ዩ። ቲቶ 3፡4-8 ካ.ት (ቈሎ 2፡11-13 ፣ ሮሜ 6፡4)
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ በዓለ ጥምቀትን ቀዳማይ መዓልትን ቀዳማይ ሰንበትን ናይ’ዚ ሎሚ መዓልቲ ዚፍልም ዘመነ ኣስተርእዮን’ዩ። እግዚኣብሄር ርሑስ በዓለ ጥምቀት ይግበረልና። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ጥሪ 11 (በዓለ ጥምቀት) ክሳዕ ቅበላ ዓብይ ጾም ዘሎ ቕንያት፡ “ዘመን ኣስተርእዮ” ይብሃል። ብግእዝ “ኣስተርእዮ” ማለት፡ ብትግርኛን፡ “ምግላጽ ወይ ግልጸት” (Relelation) ማለት’ዩ። ዓብዪ ጾም (ጾመ’ርብዓ) ዚጅምረሉ ዕለት ምስ ዚቕልጥፍ ወይ ምስ ዚድንጒይ፡ ዝመነ ኣስተርእዮ’ውን ኪሓጽር ወይ ኪነውሕ ይኽእል’ዩ። እዚ ዘመን’ዚ እንተ ሓጸረ 20 መዓልታት፡ እንተ ነውሐ ድማ 53 መዓልታት’ዩ ዚኸውን፡ እቲ ዝሓጻረ ኻብ ጥሪ 11 ኽሳዕ ጥሪ 30 ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ዝነውሐ ድማ ካብ ጥሪ 11 ኽሳዕ መጋቢት 3 ምስ ዚኸውን’ዩ። ዘመነ ኣስተርእዮ ኻብ 20 መዓልታት ኣይሓጽርን (ኣይወርድን)’ዩ፡ ካብ 53 መዓልታት ከኣ ኣይነውሕን (ኣይዓርግን)’ዩ። ንኣብነት ኣብ’ዚ ዘለናዮ ናይ 2017 ዓመተ ግእዝ፡ ዓብይ ጾም ለካቲት 16 (ዘወረደ) ስለ ዚጅምር፡ ዘመነ ኣስተርእዮ ካብ ጥሪ 11 ኽሳዕ ለካቲት 15 ዀይኑ፡ ናይ 35 መዓልታት ዘመን ዚኸውን። እዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብመዓልታት ወኪላቶ ዘላ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዚ፡ ነቲ ጐይታና ኻብ ዕለተ ጥምቀቱ ጀሚሩ ክሳዕ ዕለተ ስቕለቱ ዝፈጸምና ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ናይ ምድራዊ ኣገልግሎት ዘመኑ ዚውክል’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ ተጠሚቑ ኣገልግሎቱ ኽሳዕ ዚጅምር፡ ክሳዕ መበል 30 ዓመት ዕድሚኡ፡ ንሱ እቲ “ክርስቶስ (መሲሕ)” ምዃኑ ንዓለም ኣይተራእያን፡ ኣይተጋህደላን ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብዛዕባ መንነት ናይ ኢየሱስ ኣስተርእዮ ኣይረኸበትን ነይራ። ትምህርቲ ኺህብን ተኣምራት ኪፍጽምን ምስጢራት ኪሰርዕን ምስ ጀመረ ግና፡ ክርስቶስነቱ ተጋህደ (ተስተርእየ)። ስለ’ዚ እቲ ናይ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዘመን፡ ንኣና ናይ ኣስተርእዮኡ ዘመን’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዘመን ኣስተርእዮ ዝሰርዓትሉ ዕላማ ኸኣ ነቲ ንሱ ኣብ ዘመነ ኣስተርእዮኡ ዝመሃሮን ዝገበሮን ኵሉ ኽንዝክርን ክንመሃርን ከነስተንትንን ክንእዘዝን፡ ስለ’ቲ ዝመሃሮን ዝገበሮን ኵሉ ድማ፡ ነቲ ብኣስተርእዮ ዝተገልጸልና መንነቱ ዚምጥን ልዑል ክብርን ምስጋናን ምእንቲ ኸነቕርበሉ’ዩ። እዚ ዕለት’ዚ ቐዳማይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ምዃኑ’ዩ። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ሓሙሽተ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሰናብቲ ኺህልዋና’የን። እግዚኣብሄር፡ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ሰፊሕን ዓሚቝን ኣስተርእዮ እንረኽበሉ ዝተባረኸ ዘመን ይግበረልና።
በዓለ ጥምቀት ኣብ መዓልቲ ሰንበት፡ ምስ ዚውዕል ዚዝመር፡ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር ሰንበት፡ “አጥመቖ ዮሐንስ ለኢየሱስ” ዘርእስቱ’ዩ። ነቲ ብዛዕባ ጥምቀት ጐይታና ኣመልኪቱ ኣብ ወንጌላት ዝተጻሕፈ ታሪኽን ነቲ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ንጥምቀቱ ኣመልኪቱ ዝተነግረ ትንቢታዊ ቃልን፡ እስራኤላውያን ባሕሪ ኤርትራን ፈለግ ዮርዳኖስን ኪሰግሩ ኸለው ዝተኸስተ ተኣምርን መሰረት ብምግባር ዝተዳለወ መዝሙር ከኣ’ዩ። ባሕሪ ኤርትራ ብተኣምር ኣብ ክልተ ተኸፊሉ እስራኤላውያን ብእግሮም ዝሰገሩሉ ፍጻመ፡ ናይ ጥምቀት ክርስቶስ ትእምርቲ ምዃኑ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቈረ 10፡1-4 ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ በዓለ ጥምቀት ካብ መዓልቲ ሰንበት ወጻኢ ኣብ ዚውዕለሉ እዋን ዚዝየም ምስባክ ናይ መዝ 114፡3,4 ድማ ነዚ ዝተጠቕሰ ታሪኽ መሰረት ገይሩ ብዛዕባ ናይ ክርስቶስ ጥምቀት ዝተነግረ ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ። ነዚ በዓለ ጥምቀት’ዚ ንምኽባር ዚፍጸም ስርዓተ ጥምቀት፡ ኣብ ከተማ ምስ ዚኸውን ኵለን’ተን ኣብ’ታ ኸተማ ዚርከባ ኣብያተ ክርስትያን ማይ ኣብ ዘለዎ ማእከላይ ቦታ ተኣኪበን፡ ብሓበር የብዕላኦ። ኣብ ገጠር ኣብ ዚርከባ ኣብያተ ክርስትያን ድማ ማይ ናብ ዘለዎ ቦታ (ናብ ርባ) ብምውራድ ይጽምበል። ኣብ’ዚ ስርዓተ ጥምቀት’ዚ፡ ናይ ጥምቀት ክርስቶስ ናይ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ንባባት ይንበብ።
በዓለ ጥምቀት ዓብዪ በዓል ዚዀነሉ ምኽንያት፡ ኣስተርእዮ ናይ ጐይታና ዝጀመረሉ ዕለትን ናይ’ቲ ኻልኣይ ልደት እንረኽበሉ ምስጢረ ጥምቀት መሰረት ዝቘመሉ (ወይ ዝተነጽፈሉ) ዕለትን በዓልን ስለ ዝዀነ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪጥመቕ ናብ ዮሃንስ መጥምቕ ምስ መጸ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ዅሉ፡ ናይ ኣስተርእዮ ቓላት’ዩ። እቲ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ኣብ ጊዜ ጥምቀቱ ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክርን እግዚኣኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ምቕማጡን እቲ ዝለዓለ ኣስተርእዮ ናይ ጐይታ’ዩ። ዘመነ ኣስተርእዮ ኻብ በዓለ ጥምቀት ዚጅመረሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።
በዓለ ጥምቀት ግን ክርስቶስ ወይ መሲሕነት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ዝተገልጸሉ ዕለት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ምስጢረ ስላሴ ናይ ኣስተርእዮ ዕለት ምዃኑ’ውን ኪዝንጋዕ ዘይግብኦ ሓቂ’ዩ። እግዚኣብሄር ወልድ ብኣካለ ስጋ ኣብ ርባ ዮርዳስኖስ ዝቘመሉ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊ ጐይታና ኢየሱስ ዝተቐመጠሉ፡ እግዚኣኣብሄር ኣቦ ድማ ብዛዕባ’ቲ ዘስመሮ ፍቁር ወዱ ብቓሉ ዝመስከረሉ፡ ካብ’ቶም ኣዕኑድ እምነትና ዝዀኑ ምስጢራት ሓደ ዝዀነ ምስጢረ ስላሴ ብግህዶ ዝተገልጸሉ፡ ናይ ምስጢረ ስላሴ ናይ ኣስተርእዮ ዕለት ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ኽቡር ዕለት’ዩ። እቲ ናይ ኣእማደ ምስጢርን ናይ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ሓደ ኣካል ዝዀነ ምስጢረ ጥምቀት መሰረት ዝቘመሉ ዕለት’ውን ስለ ዝዀነ፡ ፍሉይ ኣድህቦ ዚጠልብ ናይ ኣስተርእዮ በዓል’ዩ። እዚ ንጥምቀትና ምስ ጥምቀቱን ምስ ሞቱን ትንሳኤኡን ዜዛምድ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ፡ ስለ’ዚ ነቲ በዓልነቱ ጥራሕ ሓሲብና፡ ነቲ ረዚን መንፈሳዊ መልእኽቱ ኸየቕለብናሉ ኸይንተርፍ ክንጥንቀቕ መንፈሳዊ ግቡእና’ዩ።
ጥምቀት ጐይታና፡ ናይ ኣስተርእዮኡ ቐዳማይ መዓልትን ቀዳማይ ፍጻመን ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ብመሰረቱ ኣስተርእዮኸ ብኸመይ’ዩ ዚወሃብ፧ ንገለ ካብ’ቲ መልሲ፡ ኣብ’ዚ መእተዊ ናይ መልእኽትና ተናኺፍናዮ ኣለና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓፈሻ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ኣስተርእዮ ዚህበሉ መገድታት ብዙሕ’ዩ። ኣርእስትና ኼማእዝነና ስለ ዚግብኦ ግን ናይ ክርስቶስ ኣስተርእዮ ብኸመይ ከም ዝተጋህደ ኣብ ምርኣይ ጥራሕ እንተ ተደረትና ጽቡቕ’ዩ። ናይ ክርስቶስ ኣስተርእዮ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘይኰነስ፡ ገና ኻብ ብሉይ ኪዳን፡ ካብ ፍጥረት ዓለም’ዩ ዚጅምር። ኵሉ ፍጥረት ብእኡ ምፍጣሩን ጸኒዑ ምቛሙን፡ ናይ ኣምላኽነቱ ቐዳማይ ኣስተርእዮ’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን ንክርስቶስ ኪሰብክዎ ኸለው፡ ነዚ በዅሪ ኣስተርእዮ’ዚ ደጋጊሞም ተጠቒሞምሉ’ዮም (ዮሃ 1፡3 ፣ ቈሎ 1፡16 ፣ እብ 1፡2)። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ፡ ብሊቀ ነብያት ሙሴ ዝተሰርዐ ኵሉ ስርዓታት፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝተዋህበ ትእምርታዊ ኣስተርእዮ’ዩ (ቈሎ 2፡16,16 ፣ እብ 9፡8-10)። ኵሉ ብቕዱሳን ነብያት ዝተዋህበ ንክርስቶስ ኣመልኪቱ ዝተዘርበ ትንቢት፡ ብዛዕባኡ ዓብይ ኣስተርእዮ ዚህብ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ፡ ነዚ ናይ ነብያት ትንቢትን ንዅሉ ስርዓታትን እናጠቐሱ ነቲ ዝተዋህበ ኣስተርእዮ እናተርጐሙ ዝዓመቘ ኣስተርእዮ ይህቡ ነበሩ (ገላ 4፡4 ፣ ማቴ 1፡23 ፣ ዮሃ 1፡14 ፡ ግብ 3፡25)። ገለ ኻብ’ቶም ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን ንርእሶም፡ ናይ ክርስቶስ ኣስተርእዮ ዀይኖም ኣገልጊሎም’ዮም። ከም ኣብነት ኣቤል፡ ይስሃቕ፡ ሙሴ፡ ኢያሱ፡ ነብዪ ዮናስ፡ ንጉስ ሰለሞን ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል’ዩ።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ውን ብብዙሕ ኣገባባት ኣስተርእዮ ተዋሂቡ’ዩ። ብግሁድ ትርኢት መላእኽቲ ንቅድስቲ ድንግል ማርያምን ካልኦትን ብሕልሚ ንቕዱስ ዮሴፍ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ንካህን ዘካርያስ ብዓልቲ ቤቱ ኤልሳቤጥን፡ ብቐጥታዊ ምስክርነት ናይ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ብዮሃንስ መጥምቕ ወዘተ ብዙሕን ዓበይትን ኣስተርእዮ ተዋሂቡ’ዩ። ጐይታና ባዕሉ፡ ብዝሃቦ ኣስተምህሮን ዝርርብን፡ ብዝገበሮ ብዙሕ ተኣምራት፡ ብዘርኣዮ መለኮታዊ ባህርያት፡ ከም ኣብ ደብረ ታቦር ብዘርኣዮ ናይ ትርኢት ለውጢ፡ ብትንሳኤኡ ድሕረ-ትንሳኤኡን ዘርኣዮም ፍሉያት ፍጻመታት፡ ወዘተ ብዛዕባ ጐይታና መጠን ዘይብሉ ኣስተርእዮ ተዋሂቡ’ዩ።
ናይ ጥምቀቱ ናይ ኣስተርእዮ ፍሉይነት ግን ልዑል ኣድህቦ ኺወሃቦ ዚግባእ’ዩ። ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ጐይታና ካብ 12 ዓመት ክሳዕ 30 ዓመት ዕድሚኡ ዘሎ ታሪኽ ህይወቱ ኣመልኪቱ ዝገለጾ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። እታ ብዅለንተናኡ ንእስራኤል ኰነ ንምልእቲ ዓለም ዚገሃደላ ምድብቲ ጊዜ ምስ ኣኸለት ግን፡ ብእኡ ኺጥመቕ ናብ’ቲ ጸራግ መገዱ ዝዀነ ቅዱስ ዮሃንስ መጸ። ኣብ ርእሲ’ቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ብቕዱሳን ነብያት ዝተነግረ ብዙሕ ትንቢት፡ ቅዱስ ዮሃንስ ብዛዕባኡ ዝገለጾ ምስጢራት፡ ንሰማዕቱ ብዙሕ ኣስተርእዮ ኪቐስሙን ንመድሓኒኦም ብሃንቀውታ ኺጽበዩን ቀልጢፎም ኪቕበልዎን ኣኽኢልዎም’ዩ። ካብ’ቶም ብኣገልግሎቱ ዀነ ብትምህርቱ ዝሃቦም ኣስተርእዮታት፡ ነዞም ዚስዕቡ ሒደት ኣብነታት ንመልከት።
1. እቲ ዮሃንስ ዚፍጽሞ ዝነበረ ናይ ማይ ጥምቀት ንርእሱ፡ ናይ’ቲ ብክርስቶስ ዚፍጸም ናይ ማይን ናይ መንፈስ ቅዱስን ጥምቀት ኣስተርእዮ’ዩ ዝነበረ። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን “ጥምቀት” ዚበሃል ስርዓት ፈጺሙ ኣይነበረን። ነቲ ናይ ጐይታና ናይ ጥምቀት ኣገልግሎት መገዲ ንምጽራግ ብዮሃንስ ዝተኣታተወ ሓድሽ ናይ ኣስተርእዮ ስርዓት’ዩ።
2. ቅዱስ ዮሃንስ ብዛዕባ ዕብየትን መንነትን ናይ ጐይታና ንምግላጽ ይጥቀመሎም ካብ ዝነበረ ኣገደስቲ መግለጺታት ሓደ፡ “ቅድመይ ዝነበረ፡ (ግናኸ) ድሕረይ ዚመጽእ” ዚብል’ዩ (ዮሃ 1፡27)። “ድሕረይ ዚመጽእ” ዚብሎ ዘሎ ብልደቱን ብእገልግሎቱን’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ብዕድሚኡ እንተ ወሓደ ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ይዓብዮ’ዩ (ሉቃ 1፡34-38)። ጸራግ መገዲ ስለ ዝነበረ፡ ብኣገልግሎት’ውን ይቕድሞ’ዩ። ስለ’ዚ “ቅድመይ ዝነበረ” ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ’ቲ ናይ ቅድመ-ዓለም መለኮታዊ ህልውናኡ ንጹር ኣስተርእዮ ይህብ ነበረ። ጐይታና ባዕሉ’ውን “ኣነ ቀዳማይን ዳሕራይን’ዩ” ብምባል ይገልጽ ነይሩ’ዩ (ራእ 1፡17,18 ፣ ቈሎ 1፡18)። ንሓደ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝነቝሓ’ሞ፡ ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ፡ እዚ ናይ ዮሃንስ ቃል፡ ብዛዕባ ኣምላኽነት ናይ ክርስቶስ ኣፈናዊ ኣስተርእዮ ዜቕስሞ’ዩ።
3. እቲ “ስራኽ ኣሳእኑ ኽፈትሕ ወይ ኣሳእኑ ኽጸውር ኣይበቅዕን’የ” ዝብሎ ዝነበረ ቓል፡ ብዛዕባ ዕብየት ጐይታ ንጹር ምግላጽ ዚህብ’ዩ (ማቴ 3፡11 ፣ ዮሃ 1፡27)። እቲ ኻብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ዅሎም ቅዱሳን ዝዓበየ ምዃኑ ብልሳን መለኮት ዝተመስከረሉ ዮሃንስ፡ ሳእኑ ኺፈትሕን ኪጸውርን ዘይበቅዕ እንተ ዀይኑ፡ ጐይታና ኢየሱስ ማዕረ ኽንደይ ዓብዪ ኸም ዝዀነ መግለጺ’ኳ ዘይሓትት ብሩህ ሓቂ’ዩ (ማቴ 11፡11)። እቲ ላዕላዊ (ወይ ስምዓዊ) መልእኽቱ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ እግሪ ዚውደይ ሳእኒ’ኳ እንተ ኣመልከተ፡ እቲ ውሽጣዊ ምስጢራት (ወርቃዊ) መልእኽቱ ግን ብዛዕባ’ቲ ናይ ጐይታና ቅዱስ ወንጌል’ዩ ዝተዛረበ (ኤፌ 6፡15)። ናይ ብሓቂ ድማ ዮሃንስ ንወንጌል ክርስቶስ መገዲ ኺጸርገላ ደኣ’ምበር፡ ኪሰብካን ኪትርጒማን ኣይተዓደለን። ጐይታ ደው ኢሉ ኬገልግል ከሎ ኪርእዮን ኪሰምዖን’ውን ኣይበቕዐን። ብዛዕባ ጐይታን ኣገልግሎቱን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ’ዩ ዝሰምዐ (ማቴ 11፡2-6)።
4. እቲ “ንሱ ኻባይ ይሕይል’ዩ’ሞ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም’ዩ” ዝበሎ ቓል ድማ ናይ’ቲ መለኮታዊ መንነቱ ዝጐልሐ ኣስተርእዮ’ዩ (ማቴ 3፡11 ፣ ማር 1፡7,8)። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ፍጹም ኣምላኽ’ዩ። ድኹም ሰብ ከኣ፡ በቲ ሓያል መለኮት ገይሩ ኼጠምቕ ኣይክእልን’ዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ኬጠምቕ ዚኽእል እቲ ብመለኮት ኰነ ብሓይሊ ማዕሪኡ ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ። ንሰብ ምእንቲ ኼጥምቕ ፍጹም ሰብ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኼጥምቕ ከኣ ፍጹም ኣምላኽ ብምዃን ስግው መለኮት ኰይኑ ኣብ ማእከልና ተገልጸ። ስለ’ዚ በዚ ዝተጠቕሰ ምስክርነቱን ተኣምኖኡን’ዚ፡ እቲ ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን ብኣካለ ስጋ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ዝነበረ ኢየሱስ፡ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ መለኮታዊ ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጽ (የስተርእይ) ነበረ።
5. እቲ “እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ኢሉ ዝሃቦ ምስክርነት’ውን፡ ብዛዕባ መንነትን ብዛዕባ ተልእኾን ናይ ጐይታና ፍሉይ ኣስተርእዮ ዚህብ’ዩ። ብሚልዮናት ዚቕጸራ ንጹሃት እንስሳታት መዓልቲ መጸ እናተሰውኣ፡ ይትረፍ ናይ ምሉእ ዓለም፡ ናይ ሃገረ እስራኤል፡ አረ ናይ ሓደ ውልቀ እስራኤላዊ ሓጢኣት’ኳ ኬርሕቓ ኣብ ዘይከኣላሉ ዘመን ዝተዋህበ ምስክርነት’ዩ። ናይ ምሉእ ህዝቢ ዓለም ሓጢኣት ኬርሕቕ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ካብ ተራ ሰብኣዊ መንነት ንላዕሊ ሕ’ልፍ ዝበለን ዝዓበየን መንነት ከም ዘለዎ ዚገልጽን ዚእንፍትን መግለጺ’ዩ። ዕብየት መንነቱ፡ ካብቲ ናይ ምሉእ ህዝቢ ዓለም ድምር መንነት ዚዓብይ ዘይናይ ሰብ መንነት ኣለዎ ማለት’ዩ። ሰብ ክነሱስ “ገንሸል ኣምላኽ” ካብ ኰነ፡ መለኮታዊ መንነት ከም ዘለዎ ብሩህ’ዩ።
እምበኣር፡ ጥምቀቱን ኣብ ዙርያ ጥምቀት ብእግዚኣብሄር ኣቦን ብመንፈስ ቅዱስን ብዮሃንስ መጥምቕን ዝተዋህበ ግብራውን ልሳና’ውን ኣስተርእዮ፡ ነዚ በዓለ ጥምቀት’ዚ በዓለ ኣስተርእዮ ኪኸውን ኣብቂዕዎ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ዜፍርህን ዜስክፍን ግና፡ ነዚ ናይ ኣስተርእዮ በዓል’ዚ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ጐይታና ዝዀነ ዓይነት ኣስተርእዮ ዘይብልና ዄንና ብልማዳዊ ኣገባብን ድርኺትን ጥራሕ ነብዕሎ ኸይንህልው’ዩ። ካብ’ዚ ኣሰካፍን ኣስጋእን ሃለዋት’ዚ ምእንቲ ኽንናገፍ’ያ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ዘመነ ኣስተርእዮን በዓለ ጥምቀትን ሰርዓ ዘላ’ሞ ዕላማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን መርዓዊኣ ክርስቶስን ብትኽክል ሸቶኡ ኸም ዝወቕዐ ናይ ምርግጋጽ ተሓታትነት ዘለዎ ክርስትያናዊ ሓላፍነት ከም ዘሎና ፈጺምና ኣይንዘንግዕ።
ብዛዕባ ጥምቀት ናይ ጐይታና ብፍሉይ ኰነ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባኡ ብቝዕ ኣስተርእዮ ኸም ዝረኸብና ብኸመይ ኢና ‘ነረጋግጽ፧ እቲ ቐዳማይ መረጋገጺና፡ እቲ ብዛዕባ ጐይታ ዘሎና ፍልጠትን ርድኢትን’ዩ። ምኽንያቱ ዅሉ ነገር ብፍልጠት’ዩ ዚጅምር። ዘይምፍላጥ ከኣ ናብ ጥፍኣት ዜጽድፍ ዝኸፍአ ዕንቅፋት’ዩ (ሆሴ 4፡6 ፣ ኢሳ 5፡13)። ጐይታና ድማ እታ ንእኡ ምፍላጥ ንርእሳ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና ኣፍሊጡና’ዩ (ዮሃ 17፡3)። ካህን ዘካርያስ ኣብ ትንቢቱ ነቲ ብዛዕባ ጐይታ እንረኽቦ ፍልጠት፡ “ፍልጠት ምድሓን” ኢሉ ሰምይዎ ኣሎ (ሉቃ 1፡46,47)። ብፍልጠት ናይ ጐይታና ኽንዓብይ ከም ዚግብኣና ድማ ቅዱሳት ሃዋርያት ኣተባቢዖምና’ዮም (ፊሊ 1፡9-11 ፣ ቈሎ 1፡10 ፣ 2ጴጥ 3፡18)።
ንጐይታ ብርግጽ ከም ‘ንፈልጦን፡ ብዛዕባኡ ምሉእ ኣስተርእዮ ኸም ዝረኸብናን። እቲ ኻልኣይን ዝዓበየን መረጋገጺና፡ እቲ ብፍልጠት ዚምራሕ ግብራዊ ናብራና’ዩ። ጐይታና ድማ ናብ’ዚ ብፍልጠት ዝተገርሐ ግብራዊ ህይወት ምእንቲ ኼእትወና’ዩ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀ፡፡ ንሕና ብምስጢረ ጥምቀት ሕድገት ሓጢኣት፡ መሰል ውልድነት (ካልኣይ ልደት)፡ ድሕነት ምእንቲ ኽንረክብ ኢና ‘ንጥመቕ። ጐይታና ግን፡ ሕድገትን ድሕነትን ዚደልየሉ ሓጢኣት ዘይነበሮ፡ ፍጹም ጻድቕ’ዩ ዝነበረ። ንእግዚኣብሄር ኣቦ ናይ ባህርይ ወዱ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ከም’ዚ ኸማና መሰል ውልድነት ዜድልዮ ኣይኰነን። ንሱ ዝተጠምቀ ከም ጀማርን ደምዳምን ናይ እምነትና መጠን፡ ንዅሉ’ቲ ምስጢራት ብግብራዊ መገዲ ባዕሉ ፈጺሙ ኺሰርዓልና ስለ ዝደለየ ጥራሕ’ዩ። እቲ ብዛዕባኡ ልዑል ፍልጠት ዝነበሮ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ንኺጥመቕ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ “ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ’ምበር፡ ንስኻዶ ናባይ (ክትጥመቕ) ትመጽእ፧” ኢሉ ኣበዮ። ጐይታ ግና “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና’ዩ” ብምባል ኪጥመቕ ዝደለየሉ ምኽንያትን ዓላማን ገለጸሉ (ማቴ 3፡13-15)። ስለ’ዚ እቲ ናይ ብሓቂ ዕላማ ናይ ምስጢረ ጥምቀት ኣባና’ዩ ዚፍጸም። ስለ’ዚ ደረጃ ናይ’ቲ ዝበጻሕናዮ ኣስተርእዮ ዚልካዕ፡ ነቲ ዝተኻፈልናዮ ምስጢረ ጥምቀት ብእንነብረሉ ግብራዊ ናብራ’ዩ።
እቲ ንምስጢረ ጥምቀት ብዜስተንክር ዕምቈት ዝገለጸ (ዘስተርኣየ) ሃዋርያ፡ ቅዱስ ጳውሎስ’ዩ። ኣብ ሮሜ 6፡1-11 ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ እቲ ንሕና ብማይ እንጥመቖ ጥምቀት፡ ናይ ሞት ክርስቶስ ትእምርቲ’ዩ። ኣብ ማይ ብኣካል ክንጥመቕ ከለና፡ ብሞት ክርስቶስ ኢና ‘ንጥመቕ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ምስ ክርስቶስ ንመውት፡ ኣብ’ቲ ሞቱ ንሓብሮ ማለት’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “. . . ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፧ ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት (ብጥምቀት) ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ (ኣብ ሓጢኣት) ክንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ኵላትና፡ ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርሲ ኸም’ቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምውታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ (ኽንነብር፡ ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቐበርናን) (ናይ ጥምቀት) ሞትና (ነቲ ናይ መስቀል ሞቱ) መሲሉ ሕቡራት እንተ ዄንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና።” ሮሜ 6፡1-5 (ቀ.ት+ካ.ት)
“ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይ ኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። ብጥምቀት’ውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ ናይ’ቲ ኻብ ምውታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም።” ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን (ብዘይ ምግዛርኩምን) መዊትኩም ንዝነበረኩም፡ ንኣኻትኩም’ውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።” ቈሎ 2፡11-13
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ኸም ‘ንርድኦ’ምበኣር፡ ምስጢረ ጥምቀት ናይ ሞትን ትንሳኤን ምስጢር’ዩ። ሰብ፡ ድሕነት ዚረክብ ምስ ክርስቶስ ብሙማትን ብምትንሳእን’ዩ። ብኣካል ስጋ ብሙማት ኪኸውን ግን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ሰብ ዋላ ብፍቓዱ’ኳ እንተ ሞተ፡ ብፍቓዱ ኺትንስእ ግን ስለ ዘይክእል፡ ኣብ’ቲ ኣካላዊ ሞት ናይ ክርስቶስ ብኣካል ኪሳተፍ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ሞትን ትንሳኤን ካብ ዓቕምን ስልጣንን ናይ ሰብ ወጻኢ’ዩ። እቲ ነዚ ደረትና’ዚ ባዕሉ ዝሓንጸጸልና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኣብ’ቲ ናቱ ኣካላዊ ሞትን ትንሳኤን ብዓቕምና ኽንሳተፈሉ ‘ንኽእል ኣዝዩ ፍሉይን ረቂቕን ዝዀነ ምስጢር ሰርዓልና። ንሱ ኸኣ ምስጢረ ጥምቀት’ዩ። እዚ ብማይ ዚፍጸም ምስጢር’ዚ፡ ብኸመይ መገዲ ኣብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ኣካላዊ ሞትን ትንሳኤን ከም ዜሕብረና ኣይንፈልጦን ኢና። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ “ምስጢር” ዝተሰምየ። እቲ ዝሰርዖ ጐይታ ባዕሉ ግን ግሩም ገይሩ ይፈልጦ’ዩ። ነቲ ኽንፈልጦ እንኽእልን ዚግብኣናን ዓቕምና ዝዀነ ዅሉ ግን ብዘይ ተረፍ ኣፍሊጡና’ዩ። ኣብ’ዚ ዝጠቐስናዮ ጥቕስታት ብንጹር በሪሁልና ኸም ዘሎ ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሙማትን ምቕባርን ማለት፡ ሓጢኣት ዘይምግባር፡ ኣብ ሓጢኣት ዘይምንባር፡ ንሓጢኣት ምውት ምዃን ማለት’ዩ። ብኣካል ዝሞተ ሰብ ኪበልዕ፡ ኪሰርሕ፡ ኪዛረብ ከም ዘይክእል፡ ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ዝሞተ፡ ሰብ ድማ ኪሕስው፡ ኪምንዝር፡ ኪጸልእ ወዘተ ኣይክእልን’ዩ። ብኣካል ብህይወት ዘሎ ሰብ፡ ከይበልዐ፡ ከይተዛረበ፡ ከይሰርሐ ወዘተ ኺነብር ከም ዘይክእል፡ እቲ ብጥምቀት ሞይቱ ብጥምቀት ዝተንስአን ሓዳስ ህይወት ዝረኸበን ሰብ ድማ ግብሪ ጽድቂ ዘበለ ዅሉ ኸይገበረ ኺነብር ኣይክእልን’ዩ። ጥምቀት ንሞት ክርስቶስ ብምልኣት ዚውክል ምስጢር ስለ ዝዀነ፡ ከም’ቲ ክርስቶስ ሓንሳእ ምስ ሞተ ንኻልኣይ ጊዜ ሞት ዘይደገመ፡ ምስጢር ጥምቀት’ውን ሓንሳእ ጥራሕ ዚፍጸም ካልኣይ ጊዜ ዘይድገም ምስጢር ኰነ። ኣብ ኦርቶዶክሳዊ ምስጢረ ጥምቀት፡ እቲ ዚጥመቕ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ከም ዚጥሕል ዚግበር፡ ነቲ ሞትን ቀብርን ናይ ክርስቶስ ዚውክል’ዩ። ካብ’ቲ ጥሒልዎ ዝነበረ ማይ ጥምቀት ምውጻኡ ድማ፡ ነቲ ጐይታና ካብ ከርሲ ምድሪ ካብ መቓብር ዝተንስኦ ትንሳኤ ዚውክል’ዩ። ስለ’ዚ ሓደ ዝተጠምቀ ክርስትያን፡ ሓጢኣት ንዘይምግባር ብሞት ክርስቶስ ምዉት፡ ጽድቂ ብምግባር ድማ ብትንሳኤ ክርስቶስ ህያው ኰይኑ እንተ ነበረ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ጐይታ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ጥምቀት ክርስቶስን ብዛዕባ ገዛእ ጥምቀቱን ብርግጽ ምሉእ ኣስተርእዮ ዝረኸበ ሓቀኛን ብሱልን ክርስትያን’ዩ።
ስለ’ዚ ሓጢኣት ብዝገበርና መጠን፡ እቲ ምስ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ብጥምቀት ዝነበረና ሕብረት ይጠፍእን ንስእኖን ማለት ድዩ፧ እቲ ሓጢኣት ገና ኣባና ኽሳዕ ዘሎን ክሳዕ ዘየርሓቕናዮን፡ ነቲ ሕብረትናን ሓድነትናን ኣብ ሓደጋ ኣእቲናዮ ኸም ዘለና ዘይከሓድ’ዩ። ነቲ ብሓጢኣት ዘፍረስናዮ ሓድነትና ንምሕዳስ ግን በብእዋኑ ደጋጊምና ኽንጥመቕ ኣየድልየናን’ዩ። ምኽንያቱ ምስጢረ ጥምቀት፡ ልክዕ ከም ሞት ክርስቶስ፡ ኣይድገምን’ዩ። እቲ መካርን መሓርን ኣምላኽ ግና፡ ነቲ ዝጐዳእናዮ ሕብረትና እንጽግነሉ ኽሳዕ ዕለተ ሞትና እንደጋግሞ፡ ካልእ ኣገዳሲ ናይ ድሕነት ምስጢር ሰሪዑልና ኣሎ። ንሱ ኸኣ ምስጢረ ንስሓ’ዩ። ንስሓ ነቲ ብሓጢኣትና ዘፍረስናዮ ናይ ጥምቀት ኪዳንና እንሕድሰሉ፡ ናብ’ቲ ናይ ክርስቶስ መስቀልን መቓብርን እንምለሰሉ ኽቡር ምስጢር’ዩ። እቲ ፈጺሙ ዘይንሳእሕ ሰብ፡ እቲ ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ዝኣተዎ ኺዳን ንሓዋሩ ፈሪሱን ተበቲኹን ኪነብር ዝመረጸን ዝቘረጸን ሰብ’ዩ። ስለ’ዚ ምስጢረ ጥምቀት ናይ ሓንቲ መዓልትን ጊዜን ተግባር ዘይኰነ፡ ናይ ዕድመ ምሉእ ናብራ’ዩ። ኣብ ሓጢኣት ጸኒዕካ ምንባር፡ ነቲ ኣብ ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ብምስጢረ ጥምቀት ብምሕባር ዝረኸብካዮ መለኮታዊ መሰል ውልድነት ፈንፊንካ ምድርባይ’ዩ። ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት ዝተገብረልካ ሕድገት ሓጢኣት ንዒቕካ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣትካ ብደቂቕ ኪጸባጸበካን ኪፈርደካን ምዕዳም’ዩ። ምስ’ቲ ምእንታኻ ሰብ ኰይኑ፡ ንዅሉ ዓስቢ ሓጢኣትካ ኣብ ልዕሊኡ ዝተቐበለ ክርስቶስ ሕብረት ኪህልወካ ዘይምድላይ’ዩ። ካብ ምስ’ቲ ዜድሕነካ ክርስቶስ፡ ምስ’ቲ ዜጥፍኣካ ድያብሎስ ሓድነት ኪህልወካ ምምራጽ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ምሉእ ዕድሚኡ ብሓድሽ ህይወት ብጽድቂ ኺነብር ዝቘረጸ ሓቀኛ ክርስትያን፡ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ኣብ’ታ ሓንሳእ ዝተኻፈላ ጥምቀት ጸኒዑ’ዩ ዚነብር። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዚሓልፋ ዅነታትን፡ “ኣነ ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣት ዝሞትኩን ዝተቐበርኩን ንጽድቂ ዝተንሳእኩን ሰብ’የ” ኪብልን ነዚ ኺዳናዊ ምስጢር’ዚ ዚበቅዕ ህይወት ኪነብርን ይግብኦ። ካብ’ዚ ጐይታና ዝሓንጸጸልና ኪዳናዊ መስመር’ዚ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣላጊሱ ዚነብር ሰብ ግና ኣብ ጊዜ ትንሳኤ-ሙታን ካብ’ቲ ነዊሕ ድቃሱ ምስ ተበራበረ፡ ናይ ክሕደትን ጥልመትን ናብራ ኸም ዘሕለፈ ኺስቘሮ’ዩ።
እምበኣር ብዛዕባ’ዚ ብኽብሪ ንዝክሮን ነብዕሎn ዘለና በዓለ ጥምቀት’ዚ ብኸመይ ዝበለ ርድኢትን ኣብ ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ቝመናን ሃለዋትን ኴንና ነብዕሎ ኸም ዘለና ርእስና ንመርምር። ጥምቀት ክርስቶስ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ገዛእ ጥምቀትና’ውን ነብዕል። ኣብ ጥምቀትና፡ “ምስ ክርስቶስ እመውትን እቕበርን እትንስእን ኣለኹ፡ እዚ ናይ ምሉእ ዕድመ ናብራይ ኪኸውን’ዩ” ዝመልእኽቱ ኪዳን ከም ዝኣተና ንዘክር፡ ንኺዳንና ድማ ነኽብሮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልትን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነታትን ንጥምቀት ግብራዊ ናብራና ንግበሮ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
19 ጥሪ (ጥር) 2024 | ጥሪ 11, 2016 ግዕዝ (መበል 19 ሰንበት: ቊ.፲፱/19) |
||
ምስባክ መዝ. 41(42)፡6,7 “በእንተዝ እዜከረከ እግዚኦ።በምድረ ዮርዳኖስ በአርሞንኤም በደብር ንኡስ። ቀላይ ለቀላይ ትጼውዖ በቃለ አስራቢከ።” “ዎ ኣምላኸይ፡ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ ኣላ፡ ስለዚ ኸኣ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፡ ካብ ኣኽራን ሄርሞን፡ ካብ ዝባን ሚሳር እዝክረካ ኣለኹ። ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ መዓሙቝ ንመዓሙቝ ይጽውዖ፡ ሽምቦታትካን ማዕበላትካን ዘበለ ብልዕለይ ሓለፈ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቲቶ 3፡1-7 |
ዲያቆን |
|
1 ዮሃ 5፡5-12 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 10፡34-38 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 1፡29-34 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ አጥመቆ ዮሐንስ ለኢየሱስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ