S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 ሕጂ ድማ (ክርስቶስ ጐይታና) ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩምትርእይዎንትሰምዕዎን ዘለኹም ንሱ ኣፍሰሶ።ግብ 233 (መዝ 5110-12)

እንሆ ዕለት ሻምናይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤን ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ዕርገት፡ ከምኡውን ቀዳማይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጰራቅሊጦስዩ።በዓለ መንፈስ ቅዱስድማዩ። ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ድሕሪ 50 መዓልታት፡ ድሕሪ በዓለ ዕርገት ከኣ ድሕሪ 10 መዓልታት ዚበዓል በዓልዩ።በዓለ ሓምሳ፡ በዓለ ጴንጠቆስጠ፡ በዓለ ጰራቅሊጦስተባሂሉውን ይጽዋዕዩ።ጴንጠቆስጠከምኡውንጰራቅሊጦስዚብሉ ኽልተ ቓላት፡ ናይ ቋንቋ ግሪኽ (ቋንቋ ጽርኢ) ቃላት ኰይኖም፡ጴንጠቆስጠብቛንቋና ምስ ዚትርጐምመበል ሓምሳማለት ኪኸውን ከሎጰራቅሊጦስማለት ድማኣብ ጐንኻ ዚቐውም፡ ዚረድእ፡ ዜጸናንዕማለትዩ። ካብ ዕለትዚኣ ክሳዕ ዚመጽእ ዘሎ ሰንበት ዘሎ ሸሞንተ መዓልታት ድማ ዘመነ ጰራቅሊጦስተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብዕምቈት ክንመሃረሉን፡ ከነስተንትነሉን፡ ነቲ ወሃቢና ኣምላኽ ድማ ከነመስግነሉን ዝተሰርዓልና፡ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ንኡስ ዘመንዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብስፍሓትን ብዕምቈትን እተስተምህረሉ ምስጢር፡ምስጢረ ሜሮንይብሃል። ብዛዕባ ኣምላኽነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብምስጢረ ስላሴ (ምሥጢረ ሥላሴ)” እንመሃሮዩ።

መንፈስ ቅዱስዚብል ስም፡ ናይ ኻብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ምስ እግዚኣብሄር ኣቦን ምስ እግዚኣብሄር ወልድን ዝነበረ፡ ናይ ቅድስት ስላሴ ሳልሳይ ኣካል ዝዀነን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ናይ ህላወ ስሙዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዝሰረጸ (ዝወጸ) ብስም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተላእከ ኣካል ቅድስት ስላሴዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦን ካብ ወልድን ኣይንእስንዩ፡ ብህላወ፡ ብስልጣን ኰነ ብኽብሪ ማዕሪኦምዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንበዓለ ትንሳኤን ንበዓለ መንፈስ ቅዱስን ከም ሓንቲ ዕለትን በዓልን (ከመ አሐቲ ዕለት) ገይራ ትርእየን። ስለ ኸኣ ኣብ ክልቲኡ በዓላት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድን ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ኵሉ ሓደ ዓይነትዩ። ክልቲኡ በዓላት ከኣ ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት፡ ትእምርትን ጽላሎትን ዝነበሮዩ። እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኼውጽኦም ከሎ፡ ዝዀነ ጐደሎ ዘይብሉ ገንሸል ሓሪዶም ነቲ ልዳውቲ ናይ ኣባይቶም በቲ ደሙ ኪቐብእዎ፡ ነቲ ስጋኡ ድማ ኣዕጽምቱ ኸይሰበሩ ጠቢሶም ብዘይበዅዐ ቅጫ ገይሮም ኪበልዕዎ፡ ኪበልዕዎ ኸለዉ ድማ ካብ ግብጺ ንምውጻእ ሓቛቝኦም ተዓጢቖም፡ ኣሳእኖም ወድዮም ኣባትሮም ሒዞም ኪበልዕዎ ዝዀነ ተረፍ ከይሓድጉ፡ እንተ ተሪፍዎም ድማ ብሓዊ ኼንድድዎምበር ኣብኡ ኸይሓድግዎ ኣዚዝዎም ነበረ። እቲ ንግብጻውያን ኪቐዝፍ ዝመጸ መልኣኽ ድማ ነቲ ኣብ ልዳውቲ ዝነበረ ደም ርእዩ፡ ከይቀዘፈ ይሓልፎም ነበረ። እቲ በዓል ድማፋሲካተባህለ። ትርጕሙ ድማሓለፈ (Passover) ማለትዩ። እዚ ትእምርታዊ በዓል ብዛዕባ መስዋእቲ ክርስቶስን በቲ ደሙ ዝረኸብናዮ ድሕነትን ከም ጽላሎት ኰይኑ ኼገልግል ዝተሰርዐዩ። እቲ ኣዝዩ ዜገርም ከኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ ኣይሁድ ናይ ፋሲካ ናይ በዓል ጊዜ ሞይቱ ምትንሳኡ (ዘጸ 121-28 ዘሌ 231-8 ዮሃ 129,35 1828,39 1931 1ቈረ 57,8 ራእ 56)

ካብ በዓለ ፋሲካ ልክዕ ኣብ 50 መዓልቲ (ሾብዓተ ሰሙናት) ብዛዕባ ዘፍረይዎ ፍረ ምድሪበዓለ ሰሙናትበዓል ሰዊትወይ ከኣበዓል ሓምሳዚብሃል በዓል ኬብዕሉ ኣዘዞም። እዚ በዓል ናይ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ትእምርቲ ምዃኑ ንኼፍልጠና ድማ፡ ልክዕ ኣብ ናይ ኣይሁድ በዓል ሰሙናት፡ ነቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ ተስፋ ብግብሪ ፈጸሞ (ዘሌ 2315-21 ዘዳ 169-12 ግብ 21-4) እግዚኣብሄር ንኣይሁዳውያን ንኽልቲኡ በዓላት ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኪፍጽምዎ ኣዚዝዎም (ዘዳ 1616) ናይ ክርስቶስ ስቕለትን ትንሳኤን ከምኡውን ምውራድ መንፈስ ቅዱስን ድማ ክልቲኡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ምፍጻሙ፡ ክልቲኡ በዓላት ብሉይ ኪዳን፡ ናይ ክልቲኡ በዓላት ሓድሽ ኪዳን ጽላሎትን ትእምርትን ከም ዝነበረ ዜረጋግጸልናዩ። ንህዝቢ እስራኤል ካብ መዓልቲ ነጻነቶም ካብ በዓለ ፋሲካ ጀሚሩ ክሳዕ በዓለ ሰዊት ዘሎ 50 መዓልታት ናይ በዓል ቅንያትዩ። ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናውን፡ ነዚ ኣርኣያ ብምኽታል፡ ካብ በዓለ ትንሳኤ ኽሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ ጊዜ ናይ ረቡዕን ዓርብን ጾምውን ኣይጽወምንዩ። እቶም ካብ ዝተሰደድዎ ሃገር በዓለ ፋሲካ ኼብዕሉ ዝመጹ እስራኤላውያን በዓለ-ሰዊት ክሳዕ ዜብዕሉ ናብ ሃገሮም ኣይምለሱን ነበሩ። ናይ ሃገረ እስራኤል ናይ ቀውዒ ወቕቲ ኣብ ናትና ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ዘሎ ቕንያት ዚኸውን። በዓለ ሰዊት ኣብ ወቕቲ ዜብዕሉሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ናይ ዘፍረይዎ እኽሊ በዅራት (ቀዳምያት) ሒዞም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህቡሉ ወቕቲዩ። ቤተ ክርስትያን ድማ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ብዝፈረየቶ ፍረ-መንፈስን ፍረ ነፍሳትን ንኣምላኽ እተኽብረሉ ወቕቲ`ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ናይ ሞቱን ትንሳኤኡን ብቑዓት መሰኻኽር ኰኑ። ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ሓደረ፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፍተ። ብሓንቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ስብከት፡ ኣስታት 3000 ሰባት ኣሚኖም ናብ ቤተ ክርስትያን ተጸምበሩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ፡ ነዚ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ኣመልኪቱ ኺገልጽ ከሎ፡ንቤተ ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይወርደላ ነይሩ፡ ህልውና ቤተ ክርስትያን ምተዳኸመን መቐሃመን ነይሩ፡ ስለ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ናይ ቤተ ክርስትያን ዕለት ልደትኺበሃል ዚኽእልብምባል ጽሒፉ ኣሎ። ስለ ብደረጃ ቤተ ክርስትያንና ኰነ ብደረጃ ውልቀ-ክርስትያን ብዛዕባ ህላወን ኣድላይነትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ልዑል ተገዳስነት ኪህልውን፡ ነቲ ብልኡላዊ ፍቓዱ ኣባና ኺሓድር ዝፈቐደ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኬኽብር ይግብኦ። ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚርና ድማ ጾመ ሃዋርያት ክንጅምር ኢና። እዚ ጾም ናይ ዓመት ካብ ሰነ 2 ኽሳዕ ሓምለ 4 ዚጸንሕ ኰይኑ ናይ 33 መዓልታት ጾምዩ።

ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ግድነታዊ ኣድላይነት ዚህልዎ ንምንታይዩ፧ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ዚነብሩ ሰባት ኣብ ዝመልእዋ ዓለም እናነበርና መንፈስ ቅዱስ ዘይብልካ ምዃን ንምንታይ ስግኣት ዚዀነና፧ መንፈስ ቅዱስ ናይ ግድነት ከም ዜድልየና ደጋጊሙ ዝነገረናን ዘፍለጠናን፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉዩ። ከም ሳምራዊት ሰበይቲ ንጐይታናክርስቶስዚብልዎ መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ ኣለኹ። ንሱ ምስ መጸ፡ ኵሉ ኺነግረናዩ፡ዝበለቶ፡ ንዅሉ ምስጢራት ኬፍልጠና መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኰይኑ  ዝተገልጸ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ዮሃ 425 ቈሎ 23) ስለ ንደቀ መዛሙርቱ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዜድልዮም ደጋጊሙ ይነግሮም ነበረ። ገለ ኻብኡ ድማ እዚ ዚስዕብ ጥቕስታትዩ።

“ . . . ኢየሱስ ደው ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ፡ ዝጸምአ እንተ ናባይ ይምጻእሞ፡ ይስተይ። እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ ከም ጽሑፍ ዝበሎ፡ ካብ ውሽጡ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝበለ። እዚ ኸኣ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ብዛዕባ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ ዝተዛረበ። ምኽንያቱ ኢየሱስ ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣይወረደን ነበረ።ዮሃ 737-39 .

“’ተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልው። ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩምዩ። (መንፈስ ቅዱስ) ከኣ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት ክትቅበሎ ዘይትኽእል መንፈስ ሓቂዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ዚሓድር ኣባኻትኩምውን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። . . . እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ነቲ ኣነ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩምዩ።ዮሃ 1415-17,26 .

“(ናብ ኣቦይ ክኸይድ ኢለ) ስለ ዝነገርኩኹም ግና ልብኹም ሓዘን መልአ። ሓቂ ኽነግረኩም፡ ኣነ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፡ ኣነ እንተ ዘይከይደ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእንዩ። ኣነ እንተ ኸይደ ግና፡ ንእኡ ኽሰድደልኩምየ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓዩ። . . .  ገና ብዙሕን ዝነግረኩም ነገር ኣሎኒ፡ እንተ ዀነ ሕጂ ኽትጸርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ናብ ኵሉ ሓቂ ዘበለ ኺመርሓኩም . . .  ነቲ ኺመጽእ ዘለዎ ነገራትውን ኬፍልጠኩምዩ።ዮሃ 166-8,12,13 .

ነዚ ዝተጠቕሰ ቓል ምንባብ ጥራሕ ነቲ ግድነታዊ ኣድላይነት ናይ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ከም ጸሓይ ቀትሪ ዜብርሃልናዩ። ኣብ ቐዳማይ ጥቕስና እንተስተውዒልና፡ ጐይታና ብዛዕባ ጽምኣት ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ ጽምኣት ብዛዕባ ናይ ማይ ወይ ካልእ ዓይነት መስተ ኣካላዊ ጽምኣት ዘይኰነስ መንፈሳዊ ጽምኣት ከም ዝዀነ ርዱእዩ። እዚ መንፈሳዊ ጽምኣት ብዘይካ ብመንፈስ ቅዱስ ብዝዀነ ኻልእ ኪረውይ ኣይክእልንዩ። በርኣያ ስላሴ ዝተፈጠርና ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ውሽጥና ዅሉ ጊዜ መንፈሳዊ ጽምኣት ኣሎና። ኣካላዊ ጽምኣት ኪህልወና ኸሎ ኣብ ሰብነትና ዚስምዓና ምልክታት ኣሎ። ከምኡ ምስ ተሰምዓና፡ ንጽምኣትና ዜዐግስን ዜርውይን ዚስተይ ነገር ንምርካብ ንጓየይ። መንፈሳዊ ጽምኣት ኪስምዓና ኸሎ ድማ ኣብ ህይወትና ዚገሃድ መንፈሳዊ ምልክታት ኣለው። እዚ መንፈሳዊ ጽምኣት ሓቂ ኽትፈልጥ ናይ ምድላይ፡ ምጽንናዕን ምርሒትን ናይ ምርካብ፡ ውሽጣዊ ዕረፍትን ሰላምን ናይ ምርካብ፡ ምንጋፍን ረድኤትን ናይ ምርካብ፡ ጸጋን በረኸትን ሓይልን ናይ ምርካብ ብዓብዪ ኸኣ ህልውና ኣምላኽ ምሳና ኪኸውን ናይ ምድላይን ካልእ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጽምኣትን ዜጠቓልልዩ። ነዚ ዅሉ ኸኣ ካብ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኢናንረኽቦ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ጽምኣቱ ኣብ ጸሎቱ ዀነ ኣብ መዝሙሩ ደጋጊሙ ይእመኖ ነበረ።

እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከምትናፍቕ፡ ከምኡ ከኣ ነፍሰይ፡ ኣምላኽ (ንኣኻ) ትናፍቕ ኣላ፡ ነፍሰይ ንኣምላኽ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ ትጸምእ ኣላ፡መዓስ ኰን ክመጽእ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውምየ፧’ (ትብል ኣላ) መዝ 421,2

ኣምላኽ፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፡ ኣንጊሀ እደልየካ ኣለኹ፡ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ ኣላ፡ ስጋይ፡ ማይ ኣብ ዘይብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፡ ይናፍቐካ ኣሎ።መዝ 631

ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፡ ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ ኣላ።መዝ 1436

እግዚኣብሄር ንቕዱስ ዳዊትዝኸም ልበይ ረኸብኩዝበለሉ ምኽንያት፡ ካብ ፍሉይ ጽምኣት ምርዳኡ ዚከኣልዩ። ነፍሲ ዅላትናውን ሓያል መንፈሳዊ ጽማት ከም ዘለዋን ባህርያዊ ትዕድልታ ኸም ዝዀነን ርዱእዩ። ጸገምና ግን ዓይነት ጽምኣትና ምልላይን መፍትሒ ጽምኣትና ኻበይን ካብ መንን ከም ንረኽቦ ዘይምፍላጥናዩ። ብዘይ ምስትውዓልንገብሮ ደኣ ይኹንምበር፡ ሓጢኣት እነብዝሓሉ መሰረታዊ ምኽንያት ነቲ ዘየለለናዮ መንፈሳዊ ጽምኣትና ንኸነርውይ ብምሕሳብዩ። ሓጢኣት ግና ዝገደደ ድርቀትን ጽምኣትን ይፈጥርምበር ኣየርውይንዩ። ልክዕ ከምዞም ኣልኮል ዜዘውትሩ ሰኽራማት ንኸውን። ኪሰትዩ እናወዓሉስ ኣይረውዩንዮም። እቲ ኣልኮል ነቲ ኣብ ሰብነቶም ዘሎ ማይ ስለ ዜህልኾ፡ ጽምኣቶም ኣይዕገትንዩ። ሓጢኣት ድማ ልክዕ ከምኡዩ። ንጽምኣትካ ስለ ዘየርውዮ፡ መመሊስካ ሓጢኣት ከተብዝሕ የገድደካ። ንወዲ ሰብ ሓቀኛ ርውየት ኪህቦ ዚኽእል፡ እቲ ናይ ህይወት ዓይኒ ማይ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስዩ። ኣባና ንዘለኣለም ስለ ዚነብር ንዅለንተናና ዜርውይዩ። እቲ ርውየትና ድማ ምሉእን ከቶ ዘይኵለፍን ዚኸውን። ዘይረወየ ጽምኣት ከኣ፡ ነቲ ግቡእ ፍታሕ እንተ ዘይረኺብናሉ፡ ንሓጢኣት ዚኸውን ርሒብ ዕድላትን ሰፊሕ ኣፍደገን ዚፈጥርዩ። ናይ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ግድነታዊ ኣድላይነት ድማ በዚ ሓቂ ዚጐልሕዩ።

ምልኣት መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ምርዋይ መንፈሳዊ ጽምኣትና ጥራሕ ድዩ ዚድረት ወይስ ካብኡ ዚሓልፍ መንፈሳዊ ግደ ኣለዎዩ፧ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወ ውልቀ ክርስትያን ዘለዎ ግደ፡ እምብዛ ብዙሕን ሰፊሕን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓደ ቘጽሊ ወረቐት ወይ ኣብ ሓጺር ናይ ስብከት ጊዜ ገሊጽካ ዚውዳእ ኣይኰነን። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ሰፊሕን ዓሚቝን መረዳእታ እንቐስም፡ ነቲ መሰረት እምነትና ዝዀነምስጢረ ሜሮንብብቕዓት ክንመሃሮን ከነስተምህሮንምስጢረ ሜሮንማለት፡ ንዅላትና ብሩህ ብዝዀነ ቛንቋ ምስ ዚግለጽ፡ኣገልግሎት ምልኣት መንፈስ ቅዱስማለትዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅበዓለ መንፈስ ቅዱስ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዕለተ ልደትዝበሎ ቓል ኣይንረስዕ። ይትረፍ ውልቀ ክርስትያን፡ ቤተ ክርስትያን ብዓባያውን ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ህይወት ኰነ ህላወ የብላን። ብዘይካ በብእዋኑን ከከም ኣድላይነቱን ዚገብረልና ደገፍ፡ ኣብ ምህናጽ መንነት ናትና ኣብ ምርግጋጽ ዘለኣለማዊ መጻኢናውን ዓብዪ ግደ ኸም ዘለዎ፡ ብኸም ዚስዕብ ንርእዮ።

1. ምንጭን ማሕተምን ናይ ውልድነትናዩ፦ ጐይታና ንኒቆዲሞስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ዳግማይ ካብ ኣምላኽ እንውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 33-5) ካብ መንፈስ ቅዱስ ዘይተወልደ ሰብ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ኣይግብኦን፡ ኣይክእልን ከኣዩ። ካብ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይተወሊድና፡ ንኣናን ንኣምላኽን ዜራኽብ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ የብልናን ማለትዩ። እዚ ውልድነት ድማ ንዅለንተናና ዚልውጥዩ። ካብ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝተወለድናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ ናይ ዝወለደናን ዝመልኣናን መንፈስ ቅዱስ ፍረ ንፈርይ፡ ብእኡ ንምራሕ፡ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦ ናይ ባህርይ ወዱ ንኢየሱስ ክርስቶስ ንመሰል። መንፈስ ቅዱስ ካብ ዚጽውዓሎም ስማት ሓደመንፈስ ውልድነትዚብልዩ። ስለ ኸኣ ኢና ናይ ውሉድ ኣምላኽ ባህርይነንጸባርቕ። ከም ዓለማውያን ሰባት ዘይኰነ ከም ውሉድ ኣምላኽ ኴንና ንነብር። ልማድ ወይ ስርዓት ኰይኑና ዘይኰነስ፡ ማለትና ዀይኑ ንእግዚኣብሄር፡ ልክዕ ከም ጐይታና፡ኣቦይኢልናንጽውዖ።

ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ (ብመንፈስ ቅዱስ) ጌርናኣባ፡ ኣቦኢልናንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩምምበር፡ ናብ ፍርሃት ክትምለሱ መንፈስ ባርነት (ናይ ሰይጣን መንፈስ) ኣይተቐበልኩምን። ስለ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ፡ እቲ መንፈስ (መንፈስ ቅዱስ) ባዕሉ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ ወረስቲ ድማ ኢና። ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ ድማ መዋርስቱ ኢና።” ሮሜ 814-17

ምልኣት ዘመን ምስ መጸ (ጊዜኡ ምስ በጽሐ) ግና፡ ነቶም (ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ) ዘለው ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም (ምእንቲ ኼድሕኖም) ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ኣምላኽ ነዚ (ብዘይ ሰብኣይ) ካብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን (ዝሓደረ) ወዱ ለኣኾ። ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲኣባ ኣቦኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። ደጊም ብድሕሪ ውሉድምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራስ ኣምላኽ ኢኻ።” ገላ 44-7

ካብ ሃዋርያዊ ቓል ኸምንርድኦ፡ ውሉድ ኣምላኽ ምዃን ሓርነታዊ ህይወትዩ። ኵሉ ፍጥረት ሰብ ብመንፈሳዊ ህይወቱ ኣብ ክልተ ምድባት ጥራሕ ዚምደብ። እቲ ቐዳማይ ኣብ ውልድነት ኣምላኽ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ባርነት ሰይጣንዩ። ኣብ ሰይጣን ባርነትምበር፡ ውልድነት ዚበሃል የለን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘሎውሉድ ድያብሎስ፡ ደቂ ኽፉእ፡ ወዘተዚብል ቃላት፡ናይ ሰይጣን ሰዓብቲ፡ ናይ ድያብሎስ ኣገልገልቲ፡ ግዙኣት ሰይጣን፡ ወዘተንዚብል ሓሳባት ንምግላጽ እንጥቀመሉ ኣጸዋውዓምበር፡ ሰይጣን ከም ዚወልድ ንምግላጽ ዝተባህለ ኣይኰነን። ናይ ምስ ሰይጣን ዘለና ዝምድና ቅንዕቲ መግለጺትባርነትጥራሕያ። ሰይጣን የስሕትን ይሰርቕንምበር፡ ኣይወልድ ኣየውርስ። እቲ ዝርካቡ ብሰንኩ እንወርሶ ናይ ዘለኣለም ስቓይ ድማ፡ ንእኡን ንሓጥኣን ሰባትን ብኣምላኽ ዚወሃብ ፍርዲምበር፡ ንሱ ዚህበና ርስቲ ኣይኰነን ከም ኣብ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ናይ ሮሜ 84,5 ጥቕሲ ተገሊጹልና ዘሎ፡ ሰይጣን ባሮት ገይሩ ንኺገዝኣና ዚጥቀመሉ ኣጽዋር፡ ፍርሃት (እብ 214,15 .) እዚ ፍርሃት ናይ ኵሉ ሓጢኣትና ጠንቅን ምንጭን ዚኸውን ዘሎ። እዚ ባርነታዊ ፍርሃት ንርእሱ ካልኣይ ሞት ዜፍርድን ናብ ቀላይ ሓዊ ዜደርብይን ሓጢኣት (ራእ 218 1ዮሃ 418) ቅዱስ ጳውሎስ ባሮት ሓጢኣት ንዝነበሩ ሰባት መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ካብ ኽፉእ ግብሪ ኸም ዜድሕኖም ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ነቶም (ክርስትያን) ህዝቢ፡ ንገዛእትን ንሰበስልጣንን ኪግዝኡን ኪእዘዙን፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝተዳለዉ ኪዀኑ፡ ንሓደ ስሙ ኸየጸልሙ፡ ሰላማውያንን ምቕሉላትን፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብትሕትና ዚነብሩ ኪዀኑ ኣዘኻኽሮም። ንሕናውን ቀደም (ቅድሚ ኻልኣይ ልደት) ዓያሱ፡ ዘይእዘዙ፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን፡ ትምኒት (ስጋን) ዝተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፡ ብሰብ ጽሉኣት፡ ንሓድሕድናውን እንጻላእ ነበርና፡ ናይ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ ብምሕረቱ፡ ማለት በቲ ኻልኣይ ልደት ዚህብ (ጥምቀትን) ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነናቲቶ 31-5 .

እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እንረኽቦ ውልድነት ኣብ ኵሉ ባህርይናን ናብራናን ግሁድ ለውጢ ዜምጽእምበር፡ውሉድ ኣምላኽዚብል መጸውዒ ቕጽል ዜጥብቐልና ጥራሕ ኣይኰነን። ውልድነትና ግብራዊ ርጉጽ ስለ ዝዀነዩ። ቅዱስ ወንጌል፡ መንፈስ ቅዱስ ማሕተም (መረጋገጺ) ናይ ውልድነትና ምዃኑ ዚነግረና።

ንስኻትኩምውን ነቲ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል ዝዀነ ቓል ሓቂ ምስ ሰማዕኩም፡ ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ ናቱ ገበረኩም። ኤፌ 113 .

ኣብ ናይ 2ቈረ 12,22 . ጥቕሲውንዝቐብኣናን፡ ናቱ ኸም ዝዀንና ማሕተም መፈለጥታ ዝገበረልና ንሱዩ።ብምባል ደጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ናይ ቀለም ማሕተም ዘይተገብሮ ወረቐት፡ ርጉጽ ሕጋውነት ከም ዘይብሉ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉ ክርስትያን ድማ፡ ርጉጽ ውልድነት የብሉን። ምኽንያቱ ኸኣ፡እቲ መንፈስ ክርስቶስ (መንፈስ ወዱ) ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ (ውሉድ) ኣይኰነን።ብዚብል ዘየማትእ ሃዋርያዊ ቓል ተረጋጊጹልና (ሮሜ 89 .)

2. ዕርቡን ርስትና፦ ኣብ ልዕሊ ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ሮሜ 814-17 ገላ 44-7 ጥቕስታት፡ ውልድነትና ብቐጥታ ምስ ሰማያዊ ርስቲ ኸም ዚተሓሓዝ ተገንዚብና ኣለና። እዚ ርስቲ ናይ ውልድነትና መሰልዩ። ድሕነትና ዀነ ውልድነትና ነዚ ርስቲ ብምውራስና ዚረጋገጽ። ብዛዕባ ርስቲ ድማ ገና ኣብ ምድሪ ኸለና ኢና ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ዚግብኣና። እዚ ርጉጽነት ዘይብሉ ክርስትያን ብዙሕ ዕንቅፋት እናሰገረ ጽድቂ ዚገብረሉን፡ ብምኽንያት እምነቱ ንዚወርዶ ዅሉ ፈተናታት ዚስዕረሉን ዓቕሚ ኣይህልዎንዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙ ብኣጽንዖት ወረስቲ ኣምላኽን መዋርስቲ ክርስቶስን ምዃንና ኼረጋግጸልና ዝተጋደለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ንሱ ብዛዕባ ተዳልዩሉ ዘሎ ዓስብን ርስትን ኣዝዩ ርግጸኛ ምንባሩ ደጋጊሙ ተኣሚኑ ኣሎ (2ጢሞ 46-8 111,12 ሮሜ 819 2ቈረ 416,17) መንቅብ ዘይብሉ ቅዱስ ህይወት ኪነብር ኣብ ኣገልግሎቱ ኣዝዩ ኺውፈይ፡ ንዅሉ ዝወረዶ መከራ ብመስተንክር ትዕግስትን ጽንዓትን ካብ ምጻር ሓሊፉ ኪሕጐሰሉን ኪሕበነሉን ዘኽኣሎ፡ እዚ ርጉጽነት (ኤፌ 313 ፊል 112,13,27,28 217 ቈሎ 124) ከም ዝዓይነቱ ጽንዓትን ትብዓትን ዜንጸባርቕ ርጉጽነት ግን ምንጩ ኻብ ሰብ ኣይኰነን። ምንጩ እቲ ኣባና ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስዩ። ብኣገላልጻ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እዚ ርጉጽነት ናይ ዝተዋህበና ዕርቡን መንፈስ ውጽኢትዩ። ኣሰራርሓ ናይ ዕርቡን ከመይ ምዃኑ፡ ሳላ ማሕበራዊ ተመክሮና፡ ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ኢና። ዕርቡን ዝኸፈልካሉ ንብረት ዋላ ኣብ ኢድካን ኣብ ገዛኻን ኣይሃልው፡ ናትካ ምዃኑ ሚእቲ ሚእታዊት (100%) ርጉጽ ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበለን ዝዓቀቦን ክርስትያን ድማ፡ ብዛዕባ ኣብ ሰማያት ዚጽበዮ ዘሎ ዘለኣለማዊ ርስቲ ሚእቲ ሚእታዊት ርጉጽነት ኣለዎ። እዚ ሓቂ በቲ ኣብ 2ቈረ 121,22 51-7 ኤፌ 113,14 (.) ዘሎ ሃዋርያዊ ቓል ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ። እግዚኣብሄር ብደም ቅዱስ ወዱ ንምድሓን ዓዲጉና ኼብቅዕ፡ ናቱን ጥሪቱን ምዃንና በቲ ዝሃበና ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘጽንዖን ስለ ዘረጋገጸን፡ እቶም መንፈስ ቅዱስ ዘለዎም ኵሎም ወረስቲ መንግስተ ሰማያት ምዃኖም ክንዲ ፍረ ኣድሪ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ንምንታይ ደኣ ቅዱስ ዳዊት ስግኣት ተሰሚዕዎመንፈስካ ኣይተግድፈኒኢሉ ዝለመነ፧ ናብ ከም ዝበለ ስግኣት ዜውድቐና እቲ እንፍጽሞ ሓጢኣትዩ። እግዚኣብሄር ነቲ ቕዱስ ርስቱ ንሓጥኣን ኣየውርሶምንዩ። መንፈስ ቅዱስ ዚህበሉ ምኽንያት ካብ ምርስታይ ዚዕንቅፈና ሓጢኣት ካብ ምግባር ምእንቲ ኽንቍጠብ ኪድግፈናን ብመገዲ ጽድቂ ምእንቲ ኺመርሓናን ኢሉዩ። ነቲ ናብ ጽድቂ ኺመርሓና ብዛዕባ ሓጢኣትና ኪረትዓናን ኣብ ውሽጥና ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስ ምእዛዝ እንተ ኣቢና እግዚኣብሄር ዘይዕገሶ ሓጢኣት ምግባር ነዘውትር እንተሊና፡ ነቲ ማሕተም ውልድነትናን ዕርቡን ርስትናን ዝዀነ መንፈሱ መዝሒቑ ኪወስዶ ይግደድ ማለትዩ። ድሕሪ ኸም ንጉስ ሳኦል፡ ድራር ርኹሳት መናፍስቲ ምዃንምበር፡ ንስሓ ዀነ ርስቲ ኣይርከብን ንጉስ ዳዊት፡ ኣብ ስድራ ቤት ኡርያን ባትሴባን ዝፈጸሞ ኣበሳ ኣዝዩ ኸቢድን ተደራራብን ዝነበረ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ብስለት ስለ ዝነበሮ ግና ዝፈጸሞ ኣበሳ ነቲ እግዚኣብሄር ብዘይ ስፍሪ ብልግሲ ዝሃቦ መንፈስ ቅዱስ ኬስእኖ (ኬግድፎ) ኸም ዚኽእል ተረዲእዎ ነበረ (ዮሃ 334 ሉቃ 119-13) ነቲ ናይ ንጉስ ሳኦል ናይ ስቓይ ተመክሮውን በዒንቱ ዝረኣየ ሰብ (1ሳሙ 109,10 1614-23) ክብደት ኣበሳኡ ስለ ዘስተውዓለ፡ ኣብ ኣብነታዊ ንስሓኡ፡ቅዱስ መንፈስካ ኣይተግድፈኒኢሉ ኣጽኒዑ ለመነ (መዝ 5110-12) ቅዱስ ጳውሎስውንብመንፈስ ቅዱስ ተቓጸሉእምበርሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡኢሉ ብኣጽንዖት ኣጠንቂቑና ኣሎ (ሮሜ 1211 . 1ተሰ 519 .) መንፈስ ቅዱስ፡ እቲ ንደቂ ኣዳም ዝተዓደለ ዝለዓለ ሰማያዊ ውህበትዩ። ነዚ ሰማያዊ ውህበት ጥዒምና ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምዃንና፡ ናይ ሓጢኣት ርኹስ ጸወታ እንተ ኣዘውቲርና፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ናይ ምስቃል ኣበሳ ዚቝጸረና (እብ 64-8 1026-31 .) እግዚኣብሄር ነቲ ኽቡር መንፈሱ ብምሃብ ቤት መቕደሱ ናይ ምዃን ክብሪ ዓዲሉና ኼብቅዕ፡ ንሕና ግን ብፍቕሪ ሓጢኣት ተለኺፍና በቲ ዕለት መጸ እንፍጽም ሓጢኣት ካብ ውሽጥና ብውርደት ከነውጽኦን ክንደፍኦን እንተ መረጽና ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢና ኸነጸልምት ንጋደል ኣለና ማለትትዩ። ንሱ ናብ ርስትናን ናብ ዘለኣለማውን ዕረፍትን ኺመርሓና እናተጋደለ፡ ንሕና ብሓጢኣትና ኽንዋግኦ ኸለና፡ኣግድፈኒዝመልእኽቱ ግርምቢጥ ዝዀነ ግብራዊ ጸሎት ነቕርብ ምህላውና ነስተውዕል።

እምበኣር ኣብ ቕዱስን ክቡርን ዕለትዚ፡ ነቲ ብምስጢረ ሜሮን ዝተዋህበና ኽቡር ሰማያዊ ውህበት ብኸመይ ሒዝናዮ ኸም ዘለናን ብርግጽ ኣባና ሃልዩ ይመርሓናን ኵሉ ጸጋታቱ የዕዝዘልናን ከም ዘሎ ነረጋግጽ። በዚ ዝተመሃርናዮ ነቲ ውልድነትና ኣጽኒዕና ብምሓዝ፡ ንኣምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ ድማ መዋርስቱ ዚገብረና ብመንፈሱ ዝተደረኸ  ግብራዊ ህይወት ንንበር!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሰነ 2025 | ሰነ 1, 2016 ግዕዝ (መበል 39 ሰንበት: ቊ.፴፱/39)

ምስባክ

መዝ.፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ።ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።”

“እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ’ያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 15፡20-41

ዲያቆን

1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2፡22-37

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 20፡1-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ ይትፌሣሕ

   

  

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div