“ሕጂ ድማ (ክርስቶስ ጐይታና) ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም ‘ትርእይዎን ‘ትሰምዕዎን ዘለኹም ንሱ ኣፍሰሶ።” ግብ 2፡33 (መዝ 51፡10-12)
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻምናይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤን ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ዕርገት፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጰራቅሊጦስ’ዩ። “በዓለ መንፈስ ቅዱስ” ድማ’ዩ። ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ድሕሪ 50 መዓልታት፡ ድሕሪ በዓለ ዕርገት ከኣ ድሕሪ 10 መዓልታት ዚበዓል በዓል’ዩ። “በዓለ ሓምሳ፡ በዓለ ጴንጠቆስጠ፡ በዓለ ጰራቅሊጦስ” ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። “ጴንጠቆስጠ” ከምኡ’ውን “ጰራቅሊጦስ” ዚብሉ ኽልተ ቓላት፡ ናይ ቋንቋ ግሪኽ (ቋንቋ ጽርኢ) ቃላት ኰይኖም፡ “ጴንጠቆስጠ “ብቛንቋና ምስ ዚትርጐም “መበል ሓምሳ” ማለት ኪኸውን ከሎ “ጰራቅሊጦስ” ማለት ድማ “ኣብ ጐንኻ ዚቐውም፡ ዚረድእ፡ ዜጸናንዕ” ማለት’ዩ። ካብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ክሳዕ’ቲ ዚመጽእ ዘሎ ሰንበት ዘሎ ሸሞንተ መዓልታት ድማ ዘመነ ጰራቅሊጦስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብዕምቈት ክንመሃረሉን፡ ከነስተንትነሉን፡ ነቲ ወሃቢና ኣምላኽ ድማ ከነመስግነሉን ዝተሰርዓልና፡ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ንኡስ ዘመን’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብስፍሓትን ብዕምቈትን እተስተምህረሉ ምስጢር፡ “ምስጢረ ሜሮን” ይብሃል። ብዛዕባ ኣምላኽነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ “ምስጢረ ስላሴ (ምሥጢረ ሥላሴ)” እንመሃሮ’ዩ።
“መንፈስ ቅዱስ” ዚብል ስም፡ ናይ’ቲ ኻብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ምስ እግዚኣብሄር ኣቦን ምስ እግዚኣብሄር ወልድን ዝነበረ፡ ናይ ቅድስት ስላሴ ሳልሳይ ኣካል ዝዀነን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ናይ ህላወ ስሙ’ዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዝሰረጸ (ዝወጸ)፡ ብስም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተላእከ ኣካል ቅድስት ስላሴ’ዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦን ካብ ወልድን ኣይንእስን’ዩ፡ ብህላወ፡ ብስልጣን ኰነ ብኽብሪ ማዕሪኦም’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንበዓለ ትንሳኤን ንበዓለ መንፈስ ቅዱስን ከም ሓንቲ ዕለትን በዓልን (ከመ አሐቲ ዕለት) ገይራ’ያ ትርእየን። ስለ’ዚ ኸኣ ኣብ ክልቲኡ በዓላት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድን ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ኵሉ ሓደ ዓይነት’ዩ። ክልቲኡ በዓላት ከኣ ኣብ’ቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት፡ ትእምርትን ጽላሎትን ዝነበሮ’ዩ። እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኼውጽኦም ከሎ፡ ዝዀነ ጐደሎ ዘይብሉ ገንሸል ሓሪዶም ነቲ ልዳውቲ ናይ ኣባይቶም በቲ ደሙ ኪቐብእዎ፡ ነቲ ስጋኡ ድማ ኣዕጽምቱ ኸይሰበሩ ጠቢሶም ብዘይበዅዐ ቅጫ ገይሮም ኪበልዕዎ፡ ኪበልዕዎ ኸለዉ ድማ ካብ ግብጺ ንምውጻእ ሓቛቝኦም ተዓጢቖም፡ ኣሳእኖም ወድዮም ኣባትሮም ሒዞም ኪበልዕዎ ዝዀነ ተረፍ ከይሓድጉ፡ እንተ ተሪፍዎም ድማ ብሓዊ ኼንድድዎ’ምበር ኣብኡ ኸይሓድግዎ ኣዚዝዎም ነበረ። እቲ ንግብጻውያን ኪቐዝፍ ዝመጸ መልኣኽ ድማ ነቲ ኣብ’ቲ ልዳውቲ ዝነበረ ደም ርእዩ፡ ከይቀዘፈ ይሓልፎም ነበረ። እቲ በዓል ድማ “ፋሲካ” ተባህለ። ትርጕሙ ድማ “ሓለፈ (Passover) ማለት’ዩ። እዚ ትእምርታዊ በዓል’ዚ ብዛዕባ መስዋእቲ ክርስቶስን በቲ ደሙ ዝረኸብናዮ ድሕነትን ከም ጽላሎት ኰይኑ ኼገልግል ዝተሰርዐ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዜገርም ከኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ’ቲ ናይ ኣይሁድ ናይ ፋሲካ ናይ በዓል ጊዜ ሞይቱ ምትንሳኡ’ዩ (ዘጸ 12፡1-28 ፣ ዘሌ 23፡1-8 ፣ ዮሃ 1፡29,35 ፣ 18፡28,39 ፣ 19፡31 ፣ 1ቈረ 5፡7,8 ፣ ራእ 5፡6)።
ካብ በዓለ ፋሲካ ልክዕ ኣብ 50 መዓልቲ (ሾብዓተ ሰሙናት) ብዛዕባ’ቲ ዘፍረይዎ ፍረ ምድሪ “በዓለ ሰሙናት” ፣ “በዓል ሰዊት” ወይ ከኣ “በዓል ሓምሳ” ዚብሃል በዓል ኬብዕሉ ኣዘዞም። እዚ በዓል’ዚ ናይ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ትእምርቲ ምዃኑ ንኼፍልጠና ድማ፡ ልክዕ ኣብ’ታ ናይ ኣይሁድ በዓል ሰሙናት፡ ነቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ ተስፋ ብግብሪ ፈጸሞ (ዘሌ 23፡15-21 ፣ ዘዳ 16፡9-12 ፣ ግብ 2፡1-4)። እግዚኣብሄር ንኣይሁዳውያን ንኽልቲኡ በዓላት ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኪፍጽምዎ’ዩ ኣዚዝዎም (ዘዳ 16፡16)። ናይ ክርስቶስ ስቕለትን ትንሳኤን ከምኡ’ውን ምውራድ መንፈስ ቅዱስን ድማ ክልቲኡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ምፍጻሙ፡ ክልቲኡ በዓላት ብሉይ ኪዳን፡ ናይ ክልቲኡ በዓላት ሓድሽ ኪዳን ጽላሎትን ትእምርትን ከም ዝነበረ ዜረጋግጸልና’ዩ። ንህዝቢ እስራኤል ካብ መዓልቲ ነጻነቶም ካብ በዓለ ፋሲካ ጀሚሩ ክሳዕ በዓለ ሰዊት ዘሎ 50 መዓልታት ናይ በዓል ቅንያት’ዩ። ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና’ውን፡ ነዚ ኣርኣያ’ዚ ብምኽታል፡ ካብ በዓለ ትንሳኤ ኽሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ ጊዜ ናይ ረቡዕን ዓርብን ጾም’ውን ኣይጽወምን’ዩ። እቶም ካብ ዝተሰደድዎ ሃገር በዓለ ፋሲካ ኼብዕሉ ዝመጹ እስራኤላውያን በዓለ-ሰዊት ክሳዕ ዜብዕሉ ናብ ሃገሮም ኣይምለሱን ነበሩ። ናይ ሃገረ እስራኤል ናይ ቀውዒ ወቕቲ ኣብ’ዚ ናትና ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ዘሎ ቕንያት’ዩ ዚኸውን። በዓለ ሰዊት ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ዜብዕሉሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ናይ’ቲ ዘፍረይዎ እኽሊ በዅራት (ቀዳምያት) ሒዞም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህቡሉ ወቕቲ’ዩ። ቤተ ክርስትያን ድማ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ብዝፈረየቶ ፍረ-መንፈስን ፍረ ነፍሳትን ንኣምላኽ እተኽብረሉ ወቕቲ`ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ናይ ሞቱን ትንሳኤኡን ብቑዓት መሰኻኽር ኰኑ። ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ሓደረ፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፍተ። ብሓንቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ስብከት፡ ኣስታት 3000 ሰባት ኣሚኖም ናብ ቤተ ክርስትያን ተጸምበሩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ፡ ነዚ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ኣመልኪቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንቤተ ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይወርደላ ነይሩ፡ ህልውና ቤተ ክርስትያን ምተዳኸመን መቐሃመን ነይሩ፡ ስለ’ዚ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ “ናይ ቤተ ክርስትያን ዕለት ልደት’ዩ” ኺበሃል ዚኽእል’ዩ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። ስለ’ዚ ብደረጃ ቤተ ክርስትያንና ኰነ ብደረጃ ውልቀ-ክርስትያን ብዛዕባ ህላወን ኣድላይነትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ልዑል ተገዳስነት ኪህልውን፡ ነቲ ብልኡላዊ ፍቓዱ ኣባና ኺሓድር ዝፈቐደ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኬኽብር ይግብኦ። ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚርና ድማ ጾመ ሃዋርያት ክንጅምር ኢና። እዚ ጾም ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ካብ ሰነ 2 ኽሳዕ ሓምለ 4 ዚጸንሕ ኰይኑ ናይ 33 መዓልታት ጾም’ዩ።
ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ግድነታዊ ኣድላይነት ዚህልዎ ንምንታይ’ዩ፧ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ዚነብሩ ሰባት ኣብ ዝመልእዋ ዓለም እናነበርና መንፈስ ቅዱስ ዘይብልካ ምዃን ንምንታይ’ዩ ስግኣት ዚዀነና፧ መንፈስ ቅዱስ ናይ ግድነት ከም ዜድልየና ደጋጊሙ ዝነገረናን ዘፍለጠናን፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ። ከም’ቲ’ታ ሳምራዊት ሰበይቲ ንጐይታና ‘ክርስቶስ’ ዚብልዎ መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ ኣለኹ። ንሱ ምስ መጸ፡ ኵሉ ኺነግረና’ዩ፡” ዝበለቶ፡ ንዅሉ ምስጢራት ኬፍልጠና መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኰይኑ ዝተገልጸ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ (ዮሃ 4፡25 ፣ ቈሎ 2፡3)። ስለ’ዚ ንደቀ መዛሙርቱ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዜድልዮም ደጋጊሙ ይነግሮም ነበረ። ገለ ኻብኡ ድማ እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት’ዩ።
“ . . . ኢየሱስ ደው ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ፡ ዝጸምአ እንተ’ሎ ናባይ ይምጻእ’ሞ፡ ይስተይ። እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ ከም’ቲ ጽሑፍ ዝበሎ፡ ካብ ውሽጡ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ’ዩ’ በለ። እዚ ኸኣ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ብዛዕባ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ’ዩ ዝተዛረበ። ምኽንያቱ ኢየሱስ ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣይወረደን ነበረ።” ዮሃ 7፡37-39 ካ.ት።
“’ተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልው። ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም’ዩ። (መንፈስ ቅዱስ) ከኣ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት ክትቅበሎ ዘይትኽእል መንፈስ ሓቂ’ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ዚሓድር ኣባኻትኩም’ውን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። . . . እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ነቲ ኣነ ዝነገርኩኹም ዘበለ’ውን ኬዘክረኩም’ዩ።” ዮሃ 14፡15-17,26 ካ.ት።
“(ናብ ኣቦይ ክኸይድ’የ ኢለ) ስለ ዝነገርኩኹም ግና ልብኹም ሓዘን መልአ። ሓቂ ኽነግረኩም፡ ኣነ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፡ ኣነ እንተ ዘይከይደ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን’ዩ። ኣነ እንተ ኸይደ ግና፡ ንእኡ ኽሰድደልኩም’የ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ’ዩ። . . . ገና ብዙሕን ዝነግረኩም ነገር ኣሎኒ፡ እንተ ዀነ ሕጂ ኽትጸርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ናብ ኵሉ ሓቂ ዘበለ ኺመርሓኩም’ዩ . . . ነቲ ኺመጽእ ዘለዎ ነገራት’ውን ኬፍልጠኩም’ዩ።” ዮሃ 16፡6-8,12,13 ካ.ት።
ነዚ ዝተጠቕሰ ቓል’ዚ ምንባብ ጥራሕ ነቲ ግድነታዊ ኣድላይነት ናይ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ከም ጸሓይ ቀትሪ ዜብርሃልና’ዩ። ኣብ’ቲ ቐዳማይ ጥቕስና እንተ’ስተውዒልና፡ ጐይታና ብዛዕባ ጽምኣት ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ ጽምኣት’ዚ ብዛዕባ ናይ ማይ ወይ ካልእ ዓይነት መስተ ኣካላዊ ጽምኣት ዘይኰነስ መንፈሳዊ ጽምኣት ከም ዝዀነ ርዱእ’ዩ። እዚ መንፈሳዊ ጽምኣት’ዚ ብዘይካ ብመንፈስ ቅዱስ ብዝዀነ ኻልእ ኪረውይ ኣይክእልን’ዩ። በርኣያ ስላሴ ዝተፈጠርና ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ውሽጥና ዅሉ ጊዜ መንፈሳዊ ጽምኣት ኣሎና። ኣካላዊ ጽምኣት ኪህልወና ኸሎ ኣብ ሰብነትና ዚስምዓና ምልክታት ኣሎ። ከምኡ ምስ ተሰምዓና፡ ንጽምኣትና ዜዐግስን ዜርውይን ዚስተይ ነገር ንምርካብ ንጓየይ። መንፈሳዊ ጽምኣት ኪስምዓና ኸሎ ድማ ኣብ ህይወትና ዚገሃድ መንፈሳዊ ምልክታት ኣለው። እዚ መንፈሳዊ ጽምኣት’ዚ ሓቂ ኽትፈልጥ ናይ ምድላይ፡ ምጽንናዕን ምርሒትን ናይ ምርካብ፡ ውሽጣዊ ዕረፍትን ሰላምን ናይ ምርካብ፡ ምንጋፍን ረድኤትን ናይ ምርካብ፡ ጸጋን በረኸትን ሓይልን ናይ ምርካብ ብዓብዪ ኸኣ ህልውና ኣምላኽ ምሳና ኪኸውን ናይ ምድላይን ካልእ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጽምኣትን ዜጠቓልል’ዩ። ነዚ ዅሉ ኸኣ ካብ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኢና ‘ንረኽቦ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ጽምኣቱ’ዚ ኣብ ጸሎቱ ዀነ ኣብ መዝሙሩ ደጋጊሙ ይእመኖ ነበረ።
“እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም ‘ትናፍቕ፡ ከምኡ ከኣ ነፍሰይ፡ ዎ ኣምላኽ (ንኣኻ) ትናፍቕ ኣላ፡ ነፍሰይ ንኣምላኽ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ ትጸምእ ኣላ፡ ‘መዓስ ኰን ክመጽእ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም’የ፧’ (ትብል ኣላ) መዝ 42፡1,2
“ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፡ ኣንጊሀ እደልየካ ኣለኹ፡ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ ኣላ፡ ስጋይ፡ ማይ ኣብ ዘይብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፡ ይናፍቐካ ኣሎ።” መዝ 63፡1
“ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፡ ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ ኣላ።” መዝ 143፡6
እግዚኣብሄር ንቕዱስ ዳዊት “ዝኸም ልበይ ረኸብኩ” ዝበለሉ ምኽንያት፡ ካብ’ዚ ፍሉይ ጽምኣት’ዚ ምርዳኡ ዚከኣል’ዩ። ነፍሲ ዅላትና’ውን ሓያል መንፈሳዊ ጽማት ከም ዘለዋን ባህርያዊ ትዕድልታ ኸም ዝዀነን ርዱእ’ዩ። ጸገምና ግን ዓይነት ጽምኣትና ምልላይን መፍትሒ ጽምኣትና ኻበይን ካብ መንን ከም ንረኽቦ ዘይምፍላጥና’ዩ። ብዘይ ምስትውዓል ‘ንገብሮ ደኣ ይኹን’ምበር፡ ሓጢኣት እነብዝሓሉ መሰረታዊ ምኽንያት ነቲ ዘየለለናዮ መንፈሳዊ ጽምኣትና ንኸነርውይ ብምሕሳብ’ዩ። ሓጢኣት ግና ዝገደደ ድርቀትን ጽምኣትን ይፈጥር’ምበር ኣየርውይን’ዩ። ልክዕ ከም’ዞም ኣልኮል ዜዘውትሩ ሰኽራማት ንኸውን። ኪሰትዩ እናወዓሉስ ኣይረውዩን’ዮም። እቲ ኣልኮል ነቲ ኣብ ሰብነቶም ዘሎ ማይ ስለ ዜህልኾ፡ ጽምኣቶም ኣይዕገትን’ዩ። ሓጢኣት ድማ ልክዕ ከምኡ’ዩ። ንጽምኣትካ ስለ ዘየርውዮ፡ መመሊስካ ሓጢኣት ከተብዝሕ የገድደካ። ንወዲ ሰብ ሓቀኛ ርውየት ኪህቦ ዚኽእል፡ እቲ ናይ ህይወት ዓይኒ ማይ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ኣባና ንዘለኣለም ስለ ዚነብር ንዅለንተናና ዜርውይ’ዩ። እቲ ርውየትና ድማ ምሉእን ከቶ ዘይኵለፍን’ዩ ዚኸውን። ዘይረወየ ጽምኣት ከኣ፡ ነቲ ግቡእ ፍታሕ እንተ ዘይረኺብናሉ፡ ንሓጢኣት ዚኸውን ርሒብ ዕድላትን ሰፊሕ ኣፍደገን ዚፈጥር’ዩ። ናይ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ግድነታዊ ኣድላይነት ድማ በዚ ሓቂ’ዚ ዚጐልሕ’ዩ።
ምልኣት መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ምርዋይ መንፈሳዊ ጽምኣትና ጥራሕ ድዩ ዚድረት ወይስ ካብኡ ዚሓልፍ መንፈሳዊ ግደ ኣለዎ’ዩ፧ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወ ውልቀ ክርስትያን ዘለዎ ግደ፡ እምብዛ ብዙሕን ሰፊሕን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓደ ቘጽሊ ወረቐት ወይ ኣብ ሓጺር ናይ ስብከት ጊዜ ገሊጽካ ዚውዳእ ኣይኰነን። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ሰፊሕን ዓሚቝን መረዳእታ እንቐስም፡ ነቲ መሰረት እምነትና ዝዀነ “ምስጢረ ሜሮን” ብብቕዓት ክንመሃሮን ከነስተምህሮን “ምስጢረ ሜሮን” ማለት፡ ንዅላትና ብሩህ ብዝዀነ ቛንቋ ምስ ዚግለጽ፡ “ኣገልግሎት ምልኣት መንፈስ ቅዱስ” ማለት’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ” በዓለ መንፈስ ቅዱስ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዕለተ ልደት’ዩ” ዝበሎ ቓል ኣይንረስዕ። ይትረፍ ውልቀ ክርስትያን፡ ቤተ ክርስትያን ብዓባያ’ውን ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ህይወት ኰነ ህላወ የብላን። ብዘይካ’ቲ በብእዋኑን ከከም ኣድላይነቱን ዚገብረልና ደገፍ፡ ኣብ ምህናጽ መንነት ናትና ኣብ ምርግጋጽ ዘለኣለማዊ መጻኢና’ውን ዓብዪ ግደ ኸም ዘለዎ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ንርእዮ።
1. ምንጭን ማሕተምን ናይ ውልድነትና’ዩ፦ ጐይታና ንኒቆዲሞስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ዳግማይ ካብ ኣምላኽ እንውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 3፡3-5)። ካብ መንፈስ ቅዱስ ዘይተወልደ ሰብ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ኣይግብኦን፡ ኣይክእልን ከኣ’ዩ። ካብ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይተወሊድና፡ ንኣናን ንኣምላኽን ዜራኽብ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ የብልናን ማለት’ዩ። እዚ ውልድነት’ዚ ድማ ንዅለንተናና ዚልውጥ’ዩ። ካብ’ታ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝተወለድናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ ናይ’ቲ ዝወለደናን ዝመልኣናን መንፈስ ቅዱስ ፍረ ንፈርይ፡ ብእኡ ንምራሕ፡ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦ ናይ ባህርይ ወዱ ንኢየሱስ ክርስቶስ ንመሰል። መንፈስ ቅዱስ ካብ ዚጽውዓሎም ስማት ሓደ “መንፈስ ውልድነት” ዚብል’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ኢና ናይ ውሉድ ኣምላኽ ባህርይ ‘ነንጸባርቕ። ከም ዓለማውያን ሰባት ዘይኰነ ከም ውሉድ ኣምላኽ ኴንና ንነብር። ልማድ ወይ ስርዓት ኰይኑና ዘይኰነስ፡ ማለትና ዀይኑ ንእግዚኣብሄር፡ ልክዕ ከም ጐይታና፡ “ኣቦይ” ኢልና ‘ንጽውዖ።
“ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ (ብመንፈስ ቅዱስ) ጌርና “ኣባ፡ ኣቦ” ኢልና ‘ንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩም’ምበር፡ ናብ ፍርሃት ክትምለሱ መንፈስ ባርነት (ናይ ሰይጣን መንፈስ) ኣይተቐበልኩምን። ስለ’ዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ’ዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ፡ እቲ መንፈስ (መንፈስ ቅዱስ) ባዕሉ’ዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ ወረስቲ ድማ ኢና። ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ ድማ መዋርስቱ ኢና።” ሮሜ 8፡14-17።
“ምልኣት ዘመን ምስ መጸ (ጊዜኡ ምስ በጽሐ) ግና፡ ነቶም (ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ) ዘለው ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም (ምእንቲ ኼድሕኖም)፡ ንሕና’ውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ኣምላኽ ነዚ (ብዘይ ሰብኣይ) ካብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊ’ውን (ዝሓደረ) ወዱ ለኣኾ። ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ “ኣባ ኣቦ” ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። ደጊም ብድሕሪ’ዚ ውሉድ’ምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራስ ኣምላኽ ኢኻ።” ገላ 4፡4-7።
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ኸም ‘ንርድኦ፡ ውሉድ ኣምላኽ ምዃን ሓርነታዊ ህይወት’ዩ። ኵሉ ፍጥረት ሰብ ብመንፈሳዊ ህይወቱ ኣብ ክልተ ምድባት ጥራሕ’ዩ ዚምደብ። እቲ ቐዳማይ ኣብ ውልድነት ኣምላኽ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ባርነት ሰይጣን’ዩ። ኣብ ሰይጣን ባርነት’ምበር፡ ውልድነት ዚበሃል የለን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘሎ “ውሉድ ድያብሎስ፡ ደቂ’ቲ ኽፉእ፡ ወዘተ” ዚብል ቃላት፡ “ናይ ሰይጣን ሰዓብቲ፡ ናይ ድያብሎስ ኣገልገልቲ፡ ግዙኣት ሰይጣን፡ ወዘተ” ንዚብል ሓሳባት ንምግላጽ እንጥቀመሉ ኣጸዋውዓ’ምበር፡ ሰይጣን ከም ዚወልድ ንምግላጽ ዝተባህለ ኣይኰነን። ናይ’ቲ ምስ ሰይጣን ዘለና ዝምድና ቅንዕቲ መግለጺት “ባርነት” ጥራሕ’ያ። ሰይጣን የስሕትን ይሰርቕን’ምበር፡ ኣይወልድ ኣየውርስ። እቲ ዝርካቡ ብሰንኩ እንወርሶ ናይ ዘለኣለም ስቓይ ድማ፡ ንእኡን ንሓጥኣን ሰባትን ብኣምላኽ ዚወሃብ ፍርዲ’ምበር፡ ንሱ ዚህበና ርስቲ ኣይኰነን ከም’ቲ ኣብ’ዚ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ናይ ሮሜ 8፡4,5 ጥቕሲ ተገሊጹልና ዘሎ፡ ሰይጣን ባሮት ገይሩ ንኺገዝኣና ዚጥቀመሉ ኣጽዋር፡ ፍርሃት’ዩ (እብ 2፡14,15 ካ.ት)። እዚ ፍርሃት’ዚ’ዩ ናይ ኵሉ ሓጢኣትና ጠንቅን ምንጭን ዚኸውን ዘሎ። እዚ ባርነታዊ ፍርሃት’ዚ ንርእሱ ካልኣይ ሞት ዜፍርድን ናብ ቀላይ ሓዊ ዜደርብይን ሓጢኣት’ዩ (ራእ 21፡8 ፣ 1ዮሃ 4፡18)። ቅዱስ ጳውሎስ ባሮት ሓጢኣት ንዝነበሩ ሰባት መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ካብ’ቲ ኽፉእ ግብሪ’ቲ ኸም ዜድሕኖም ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ነቶም (ክርስትያን) ህዝቢ፡ ንገዛእትን ንሰበስልጣንን ኪግዝኡን ኪእዘዙን፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝተዳለዉ ኪዀኑ፡ ንሓደ’ኳ ስሙ ኸየጸልሙ፡ ሰላማውያንን ምቕሉላትን፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብትሕትና ዚነብሩ ኪዀኑ ኣዘኻኽሮም። ንሕና’ውን ቀደም (ቅድሚ ኻልኣይ ልደት) ዓያሱ፡ ዘይእዘዙ፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን፡ ትምኒት (ስጋን) ዝተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፡ ብሰብ ጽሉኣት፡ ንሓድሕድና’ውን እንጻላእ ነበርና፡ ናይ’ቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ ብምሕረቱ፡ ማለት በቲ ኻልኣይ ልደት ዚህብ (ጥምቀትን) ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና” ቲቶ 3፡1-5 ካ.ት
እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እንረኽቦ ውልድነት ኣብ ኵሉ ባህርይናን ናብራናን ግሁድ ለውጢ ዜምጽእ’ምበር፡ “ውሉድ ኣምላኽ” ዚብል መጸውዒ ቕጽል ዜጥብቐልና ጥራሕ ኣይኰነን። ውልድነትና ግብራዊ ርጉጽ ስለ ዝዀነ’ዩ። ቅዱስ ወንጌል፡ መንፈስ ቅዱስ ማሕተም (መረጋገጺ) ናይ ውልድነትና ምዃኑ ዚነግረና።
“ንስኻትኩም’ውን ነቲ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል ዝዀነ ቓል ሓቂ ምስ ሰማዕኩም፡ ብእኡ’ውን ምስ ኣመንኩም፡ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ ናቱ ገበረኩም። ኤፌ 1፡13 ካ.ት።
ኣብ’ቲ ናይ 2ቈረ 1፡2,22 ካ.ት ጥቕሲ’ውን “ዝቐብኣናን፡ ናቱ ኸም ዝዀንና ማሕተም መፈለጥታ ዝገበረልና ንሱ’ዩ።” ብምባል ደጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ናይ ቀለም ማሕተም ዘይተገብሮ ወረቐት፡ ርጉጽ ሕጋውነት ከም ዘይብሉ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉ ክርስትያን ድማ፡ ርጉጽ ውልድነት የብሉን። ምኽንያቱ ኸኣ፡ “እቲ መንፈስ ክርስቶስ (መንፈስ ወዱ) ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ (ውሉድ) ኣይኰነን።” ብዚብል ዘየማትእ ሃዋርያዊ ቓል ተረጋጊጹልና’ዩ (ሮሜ 8፡9 ካ.ት)
2. ዕርቡን ርስትና፦ ኣብ’ዚ ልዕሊ ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ሮሜ 8፡14-17 ፣ ገላ 4፡4-7 ጥቕስታት፡ ውልድነትና ብቐጥታ ምስ ሰማያዊ ርስቲ ኸም ዚተሓሓዝ ተገንዚብና ኣለና። እዚ ርስቲ’ዚ ናይ ውልድነትና መሰል’ዩ። ድሕነትና ዀነ ውልድነትና ነዚ ርስቲ’ዚ ብምውራስና’ዩ ዚረጋገጽ። ብዛዕባ’ዚ ርስቲ’ዚ ድማ ገና ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ኸለና ኢና ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ዚግብኣና። እዚ ርጉጽነት’ዚ ዘይብሉ ክርስትያን ብዙሕ ዕንቅፋት እናሰገረ ጽድቂ ዚገብረሉን፡ ብምኽንያት እምነቱ ንዚወርዶ ዅሉ ፈተናታት ዚስዕረሉን ዓቕሚ ኣይህልዎን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙ ብኣጽንዖት ወረስቲ ኣምላኽን መዋርስቲ ክርስቶስን ምዃንና ኼረጋግጸልና ዝተጋደለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ንሱ ብዛዕባ’ቲ ተዳልዩሉ ዘሎ ዓስብን ርስትን ኣዝዩ ርግጸኛ ምንባሩ ደጋጊሙ ተኣሚኑ ኣሎ (2ጢሞ 4፡6-8 ፣ 1፡11,12 ፣ ሮሜ 8፡19 2ቈረ 4፡16,17)። መንቅብ ዘይብሉ ቅዱስ ህይወት ኪነብር ኣብ ኣገልግሎቱ ኣዝዩ ኺውፈይ፡ ንዅሉ ዝወረዶ መከራ ብመስተንክር ትዕግስትን ጽንዓትን ካብ ምጻር ሓሊፉ ኪሕጐሰሉን ኪሕበነሉን ዘኽኣሎ፡ እዚ ርጉጽነት’ዚ’ዩ (ኤፌ 3፡13 ፣ ፊል 1፡12,13,27,28 ፣ 2፡17 ፣ ቈሎ 1፡24)። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ጽንዓትን ትብዓትን ዜንጸባርቕ ርጉጽነት ግን ምንጩ ኻብ ሰብ ኣይኰነን። ምንጩ እቲ ኣባና ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ብኣገላልጻ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እዚ ርጉጽነት’ዚ ናይ’ቲ ዝተዋህበና ዕርቡን መንፈስ ውጽኢት’ዩ። ኣሰራርሓ ናይ ዕርቡን ከመይ ምዃኑ፡ ሳላ ማሕበራዊ ተመክሮና፡ ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ኢና። ዕርቡን ዝኸፈልካሉ ንብረት ዋላ ኣብ ኢድካን ኣብ ገዛኻን ኣይሃልው፡ ናትካ ምዃኑ ሚእቲ ሚእታዊት (100%) ርጉጽ’ዩ ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበለን ዝዓቀቦን ክርስትያን ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሰማያት ዚጽበዮ ዘሎ ዘለኣለማዊ ርስቲ ሚእቲ ሚእታዊት ርጉጽነት ኣለዎ። እዚ ሓቂ’ዚ በቲ ኣብ 2ቈረ 1፡21,22 ፣ 5፡1-7 ፣ ኤፌ 1፡13,14 (ካ.ት) ዘሎ ሃዋርያዊ ቓል ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ። እግዚኣብሄር ብደም ቅዱስ ወዱ ንምድሓን ዓዲጉና ኼብቅዕ፡ ናቱን ጥሪቱን ምዃንና በቲ ዝሃበና ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘጽንዖን ስለ ዘረጋገጸን፡ እቶም መንፈስ ቅዱስ ዘለዎም ኵሎም ወረስቲ መንግስተ ሰማያት ምዃኖም ክንዲ ፍረ ኣድሪ’ኳ ዜጠራጥር ኣይኰነን።
ንምንታይ ደኣ’ዩ ቅዱስ ዳዊት ስግኣት ተሰሚዕዎ ‘መንፈስካ ኣይተግድፈኒ’ ኢሉ ዝለመነ፧ ናብ ከም’ዚ ዝበለ ስግኣት ዜውድቐና እቲ እንፍጽሞ ሓጢኣት’ዩ። እግዚኣብሄር ነቲ ቕዱስ ርስቱ ንሓጥኣን ኣየውርሶምን’ዩ። መንፈስ ቅዱስ ዚህበሉ ምኽንያት ካብ ምርስታይ ዚዕንቅፈና ሓጢኣት ካብ ምግባር ምእንቲ ኽንቍጠብ ኪድግፈናን ብመገዲ ጽድቂ ምእንቲ ኺመርሓናን ኢሉ’ዩ። ነቲ ናብ ጽድቂ ኺመርሓና ብዛዕባ ሓጢኣትና ኪረትዓናን ኣብ ውሽጥና ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስ ምእዛዝ እንተ ኣቢና’ሞ እግዚኣብሄር ዘይዕገሶ ሓጢኣት ምግባር ነዘውትር እንተ’ሊና፡ ነቲ ማሕተም ውልድነትናን ዕርቡን ርስትናን ዝዀነ መንፈሱ መዝሒቑ ኪወስዶ ይግደድ ማለት’ዩ። ድሕሪ’ዚ ኸም ንጉስ ሳኦል፡ ድራር ርኹሳት መናፍስቲ ምዃን’ምበር፡ ንስሓ ዀነ ርስቲ ኣይርከብን’ዩ ንጉስ ዳዊት፡ ኣብ ስድራ ቤት ኡርያን ባትሴባን ዝፈጸሞ ኣበሳ ኣዝዩ ኸቢድን ተደራራብን’ዩ ዝነበረ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ብስለት ስለ ዝነበሮ ግና ዝፈጸሞ ኣበሳ ነቲ እግዚኣብሄር ብዘይ ስፍሪ ብልግሲ ዝሃቦ መንፈስ ቅዱስ ኬስእኖ (ኬግድፎ) ኸም ዚኽእል ተረዲእዎ ነበረ (ዮሃ 3፡34 ፣ ሉቃ 11፡9-13)። ነቲ ናይ ንጉስ ሳኦል ናይ ስቓይ ተመክሮ’ውን በዒንቱ ዝረኣየ ሰብ’ዩ (1ሳሙ 10፡9,10 ፣ 16፡14-23)። ክብደት ኣበሳኡ ስለ ዘስተውዓለ፡ ኣብ’ቲ ኣብነታዊ ንስሓኡ፡ “ቅዱስ መንፈስካ ኣይተግድፈኒ” ኢሉ ኣጽኒዑ ለመነ (መዝ 51፡10-12)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ብመንፈስ ቅዱስ ተቓጸሉ” እምበር “ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ” ኢሉ ብኣጽንዖት ኣጠንቂቑና ኣሎ (ሮሜ 12፡11 ካ.ት ፣ 1ተሰ 5፡19 ካ.ት)። መንፈስ ቅዱስ፡ እቲ ንደቂ ኣዳም ዝተዓደለ ዝለዓለ ሰማያዊ ውህበት’ዩ። ነዚ ሰማያዊ ውህበት’ዚ ጥዒምና ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምዃንና፡ ናይ ሓጢኣት ርኹስ ጸወታ እንተ ኣዘውቲርና፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ናይ ምስቃል ኣበሳ’ዩ ዚቝጸረና (እብ 6፡4-8 ፣ 10፡26-31 ካ.ት)። እግዚኣብሄር ነቲ ኽቡር መንፈሱ ብምሃብ ቤት መቕደሱ ናይ ምዃን ክብሪ ዓዲሉና ኼብቅዕ፡ ንሕና ግን ብፍቕሪ ሓጢኣት ተለኺፍና በቲ ዕለት መጸ እንፍጽም ሓጢኣት ካብ ውሽጥና ብውርደት ከነውጽኦን ክንደፍኦን እንተ መረጽና ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢና ኸነጸልምት ንጋደል ኣለና ማለትት’ዩ። ንሱ ናብ ርስትናን ናብ ዘለኣለማውን ዕረፍትን ኺመርሓና እናተጋደለ፡ ንሕና ብሓጢኣትና ኽንዋግኦ ኸለና፡ “ኣግድፈኒ” ዝመልእኽቱ ግርምቢጥ ዝዀነ ግብራዊ ጸሎት ነቕርብ ምህላውና ነስተውዕል።
እምበኣር ኣብ’ዚ ቕዱስን ክቡርን ዕለት’ዚ፡ ነቲ ብምስጢረ ሜሮን ዝተዋህበና ኽቡር ሰማያዊ ውህበት ብኸመይ ሒዝናዮ ኸም ዘለናን ብርግጽ ኣባና ሃልዩ ይመርሓናን ኵሉ ጸጋታቱ የዕዝዘልናን ከም ዘሎ ነረጋግጽ። በዚ ዝተመሃርናዮ ነቲ ውልድነትና ኣጽኒዕና ብምሓዝ፡ ንኣምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ ድማ መዋርስቱ ዚገብረና ብመንፈሱ ዝተደረኸ ግብራዊ ህይወት ንንበር!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
8 ሰነ 2025 | ሰነ 1, 2016 ግዕዝ (መበል 39 ሰንበት: ቊ.፴፱/39) |
||
ምስባክ መዝ.፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ።ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።” “እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ’ያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡20-41 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-37 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 20፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ይትፌሣሕ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ