“ግናኸ ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ’ዩ፡ ስለ’ዚ ጸሊኹም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ርእሶም ዚገትኡን ጥንቁቓትን ኩኑ። . . . ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ’ዩ፡ ዚጅምሮ ኸኣ በቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘለዉ’ዩ። ብኣና ዚጅምር ካብ ኰነኸ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን’ዩ፧ እቲ ጻድቕ (ብብዙሕ ጭንቂ) ዚድሕን ካብ ኰነኸ፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ እንታይ ኪኸውን’ዩ።” 1ጴጥ 4፡7,17,18 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ዚመጽእ ዘሎ ሓሙስ ድማ ዕርገት ጐይታናን እንዝክረሉ፡ ካብ በዓለ ትንሳኤ መበል 40 መዓልቲ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ ዕለተ ዕርገት ክሳዕ ሰነ 17 ዘሎ ቕንያት፡ “ዘመነ ዕርገት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዘመነ ዕርገት፡ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ንኡስ ዘመን’ዩ። ዕርገት ጐይታና፡ ልክዕ ከም ሞቱን ትንሳኤኡን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግብሪ ምድሓን’ዩ። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን፡ በቲ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ምሉእ ስርየት ኣበሳን ምሕረትን ዚርከብ ዝነበረ፡ እቲ ሊቀ ካህናት ባዕሉ፡ ናይ’ቲ ዝተሰውአ እንስሳ ደም ሒዙ ናብ’ቲ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ፡ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ’ቲ መኽደን መተዓረቒ (መንበረ ታቦት) ምስ ዚነጽጎ’ዩ (ዘሌ 16፡14,15)። እቲ ባዕሉ ፍጹም ሊቀ ካህናትን ቅዱስ መስዋእትን ሰማያዊ መቕደስን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፡ ነቲ ኣብ መስቀል ዝፈስስ ህያው ደሙ ሒዙ ብዕርገት ናብ’ታ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ብምእታ’ዩ ፍጹም ድሕነት ዘጐናጸፈና (እብ 9፡11-14,23-26 ፣ 7፡26,27 ፣ A)። ስለ’ዚ ድማ ድሕሪ ትንሳኤኡን፡ “ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን እድይብ ኣለኹ” ብምባል እቲ ናይ ድሕነት ተልእኾኡ ኣብ ትንሳኤ ጥራሕ ከም ዘይድረት፡ ብመገዲ ማርያም መግደላዊት ኣበሰሮም (ዮሃ 20፡17,18)። ቅድሚ ሞቱ፡ ኣብ’ታ ምስጢር ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት’ውን፡ ናብ ኣቦኡ ናብ ሰማያት ከም ዚኸይድን ናይ ምኻድ ረብሓ ንኣና እንታይ ምዃኑን ብንጹር ነጊርዎም’ዩ (ዮሃ 14፡1-4 ፣ 16፡5-8,16)። ከም’ታ ዝበላ ድማ ካብ ትንሳኤኡ ልክዕ ኣብ 40 መዓልቱ ብዘይ ህቦብላ ብዘይ ደመና ብዘይ ሰረገላ - ሓዊ ኣብ ቕድሚ ዓይኒ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ሰማያት ዓረገ (ግብ 1፡1,2,9 ፣ ማር 16፡19 ፣ ሉቃ 24፡51) ስለ`ዚ ኸኣ`ያ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንዕርገት ካብ ዕለተ ትንሳኤ ልክዕ ኣብ 40 መዓልቲ ሓሙስ ሓሙስ እተብዕሎ። ንሕና’ውን ካብ’ዚ ሰሙን’ዚ ጀሚርና ንዘመነ ዕርገት ብዛዕባ’ቲ ጐይታና ብዕርገቱ ዘውሓሰልና ድሕነት ከነስተንትንን ክንመሃርን ብዛዕባኡ ድማ ንኣምላኽ ከነመስግንን ይግብኣና።
ነዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ብቕዱስ ያሬድ ተሰሪዑልና ዘሎ መዝሙር-ሰንበት “ፋሲካ” ዘርእስቱ’ዩ። ሓፈሻዊ ትርጕም ናይ’ቲ መዝሙር ድማ ኸም’ዚ ዚስዕብ’ዩ፦
ፋሲካ፡ እታ ዕለት’ቲኣ ቅድስቲ’ያ፡ በታ ዕለት’ቲኣ ንተሓጐስ፡ ንተሓጐስ፡ ብኣኣ ባህ ይበለና፡ እታ ዕለት’ቲኣ መስተርሆትን ዕረፍትን’ያ፡ ሰማይን ምድርን ብኣኣ ይተሓጐሱ። ፋሲካ ፋሲካ፡ ናይ መድሓኒና ዝኽሪ ትንሣኤኡ’ያ።
ኦ ጐይታ ድምጽኻ ሰሚዐ ፈራህኩ፡ ግብርኻ ርእየ’ውን ተገረምኩ። ጐይታ መን’ዩ ኸማኻ፡ ንምዉታት ብቓልካ ኣተንሣእካ፡ ሕይወት ሂብካ፡ ንኣና ሰላም ጸጎኻ፡ እ ኵላትና ምስ ጻድቃንካ ኃቢርና በዓለ ፋሲካ ንግበር።
እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ነቶም ናብ ምግፋፍ ዓሳ ዝተመልሱ ሾብዓተ ሃዋርያት (ጴጥሮስ፡ ቶማስ፡ ዮሃንስን ያእቆብን፡ ብስም ዘይተጠቕሱ ክልተ ኻልኦትን) ባዶ መርበብን ጃልባን ሒዞም ከለው ከም ዝተራእዮም፡ ተኣምር ገይሩ ባዕሉ ብዝቐረቦ ምግቢ ከም ዝመገቦምን ዚትርኽ’ዩ። እቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብ ድማ፡ ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቤት ሓለቓ ሚእቲ ቀርነሌዎስ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ከም ዝተራእዮምን ኪምስክሩሉ ኸም ዝኣዘዞምን ድሕሪ ምግላጹ፡ ንህያዋንን ምዉታትን ዚፈርድ ንሱ ምዃኑ ዝሰበኸ ስብከት ዚትርኽ’ዩ። እቲ ናይ 2ቈረ 5፡1-10 ፣ 1ጴጥ 4፡4-11 ንባባት ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ምጽኣት ዚፍጸም ተስፋን ፍርድን ዚገልጹ’ዮም (2ቈረ 5፡9,10 ፣ 1ጴጥ 4፡17,18)። ናይ ሎሚ መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን’ውን ብዛዕባ’ዚ ብምጽኣት ክርስቶስ ዚገሃድ መወዳእታ ዓለምን፡ መወዳእታ ምድራዊ ህይወትናን ዚምልከት’ዩ
ኣብ ዘመነ ትንሳኤን ኣብ ድርኵዅት ዘመነ ዕርገትን ኴንና፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታናን ብዛዕባ መወዳእታናን መወዳእታ ዓለምን ክንመሃር ዜድልየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ እቲ ምኽንያት ጐይታና ባዕሉን ብቕዱሳን መላእኽቱን ገይሩ ንዕርገቱን ንምጽኣቱን ኣዛሚዱ ስለ ዝገለጸልና’ዩ። ንዅሉ ዚዛረቦን ዚገብሮን ድማ ንኣና ንኣርኣያን ንምህሮን ኪዀነልና ኢሉ ስለ ዚገብሮ፡ ንሕና’ውን ብኸምኡ ኽንሓስብን ክንምራሕን’ዩ ዚግባእ። ጐይታና ኣብ’ታ ድሮ ስቕለቱ ዝነበረት ምሸት፡ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዕርገቱን ምጽኣቱን ከም’ዚ ዚስዕብ ኢልዎም ነበረ።
“ልብኹም ኣይሸበር፡ ብኣምላኽ እመኑ፡ ብኣይ’ውን እመኑ፡ ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። እንተ ዘይህልው ግን ምነገርኩኹም ነይረ። ሕጂ ግና ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ ንስኻትኩም’ውን (ምሳይ) ኣብኡ ምእንቲ ኽትህልው፡ ተመሊሰ ኽመጽእ’የ’ሞ ምሳይ ክወስደኩም’የ።” ዮሃ 14፡1-3 ካ.ት
ካብ’ዚ ቓሉ’ዚ ኸም ‘ንርድኦ፡ ናይ ዕርገቱ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ንጹር’ዩ። ብዕርገቱ ስፍራ ኼዳልወልና’ዩ ዚኸይድ፡ ብምጽኣቱ ድማ ናብ’ቲ ዘዳለወልና ስፍራ ኼግዕዘና’ዩ ዚግለጽ። ጐይታና ነዛ ሓቂ’ዚኣ ብንጹር ኪፈልጥዋን ኣብ ልቦም ኣዕሚቛ ኽትሰርጽን ስለ ዝደለየ፡ ኣብ’ታ ዕለተ ዕርገቱ ዚንገሮም መዘኻኸሪ ኣዳለወ። ጐይታና ኣብ ደብረ ዘይቲ ካብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ ኺዓርግ ምስ ጀመረ፡ ደበና ሰማይ ክሳዕ ዚኽውሎ ኣተኵሮም እናጠመትዎ ኸለው፡ ብኣርኣያ ሰብ ዝተገልጹ ኽልተ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ መላእኽቲ፦ “ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ኢኹም ናብ ሰማይ ኣማዕዲኹም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘለኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፡ ከም’ቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረኣኹምዎ፡ ከምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ’ዩ።” ብምባል ዘይርሳዕ መዘክር ገደፉሎም (ግብ 1፡9-11 ካ.ት)። ዕርገትን ምጽኣትን ክልተ ተመላላእቲ ግብርታት ምድሓን’ዮም። ስለ’ዚ ኸኣ’ዮም ክልቲኦም ብሓንሳእ ዚለዓሉ። እቲ ብልደት (ብቐዳማይ ምጽኣቱ) ዚጀመረ ናይ ጐይታና ግብሪ ምድሓን ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ`ዩ ዚዛዘም። ምሉእ ድሕነት ዚበሃል፡ ናብ ሰማያት ዓሪግኻ ኣብ የማን ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ምንባር’ዩ። ናብ’ዛ ደረጃ’ዚኣ ኽሳዕ ንበጽሕ ኣብ ዘሎ ጊዜ እንረኽቦ ድሕነት፡ ከፊላዊ ድሕነት’ዩ። ምኽንያቱ ድሕነት ዝተናውሐ መስርሕ (Process)’ምበር፡ ናይ ሓደ ጊዜ ፍጻመ ኣይኰነን። እዚ ዚሓጥእን ዚሓምምን ዚመውትን ስጋ ለቢስካ፡ ኣብ’ዛ ሓላፊትን ርኽስትን ዓለም እናነበርካ ‘ምሉእ ድሕነት ኣሎ’ ኪበሃል ኣይግባእን’ዩ። በቲ ኣብ ምጽኣቱ ዚፍጸም ትንሳኤ ሙታን ተንሲእና፡ እቲ ብምስሊ ቐዳማይ ኣዳም ዝተፈጥረ ስጋና ናብ ምስሊ ኻልኣይ ኣዳም፡ ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ምስ ተለወጠ ሽዑ’ዩ ምሉእ ድሕነት ዚዀነልና። ምጽኣት ድማ በዚ ምኽንያት’ዚ’ዩ ኣገዳሲ ዚኸውን።
“ሽዑ ንወዲ ሰብ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ’ዮም። እዚ ኪኸውን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡ ማለት’ዩ’ሞ፡ ደው በሉ፡ ርእስኹም’ውን ኣቕንዑ።” ሉቃ 21፡27,28 ካ.ት
“ከምኡ ኸኣ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኼርሕቕ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፡ ሓጢኣት ኪጸውር ዘይኰነስ፡ ንምድሓን’ቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ኺግለጽ’ዩ።” እብ 9፡28 ካ.ት
“መወዳእታ” ዚበሃል ዘሎ ናይ ምንታይ መወዳእታ’ዩ፧ ኣብ’ዚ መወዳእታ’ዚ ዚጠቓለሉ ፍጻመታት እንታይ እንታይ’ዮም፧ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺርዎ ኸም ዘሎ፡ እዚ ‘ንዛረበሉ ዘለና መወዳእታ፡ ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ’ዩ። ናይ’ዛ ‘ንነብረላ ዘለና ዓለምን፡ ናይ ኵሉ ሰማያውን ምድራውን ፍጥረት መወዳእታ፡ ናይ ሰይጣንን ኵሎም ኣጋንንቱን መወዳእታ፡ ናይ ኵሉ ሓጢኣትን ኵሎም ሓጥኣንን መወዳእታ፡ ናይ ኵሉ ምድራዊ ሕማምን ስቓይን ሞትን ጻዕርን ሓዘንን መወዳእታ’ዩ። ሰማይን ምድርን ብምሉኡ ኺድምስስን ካብ ህላወ ኺጠፍእን’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ወንጌል ደጋጊሙን ኣነጺሩን ነጊሩና’ዩ።
“እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ንሓዊ ተዓቝሩ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባት ተፈሪዶም ክሳዕ ዚጠፍኡ ይሕለው ኣሎ። . . . መዓልቲ ጐይታ (እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ) ግና ከም ሰራቒ ኰይና ኽትመጽእ’ያ። ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሓልፍ’ዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኺመክኽ’ዩ። ምድርን ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድ’ዩ። እታ መዓልቲ’ቲኣ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዚጠፍእ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ኸም ዚመክኽ ክትገብር’ያ።” 2ጴጥ 3፡7,10-12 ካ.ት
“ድሕሪ’ናይተን መዓልትታት `ቲኣተን መከራ ከኣ ብኡንብኡ ጸሓይ ክትጽልምት`ያ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን`ያ ከዋክብቲ ካብ ሰማይ ክወድቁ`ዮም ሓይልታት ሰማይ ድማ ክናወጹ`ዮም።” ማቴ 24፡29 ካ.ት (ራእ 6፡12)
“ብድሕር`ዚ ዓብይ ጻዕዳ ዝፋንን ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠ (ኢየሱስ) ረኣኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ፡ ኣሰር ዘይብሎም’ውን ጠፍአ።” ራእ 20፡11 ካ.ት
እዚ ኸኣ ገና ኻብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ብቕዱሳን ነብያት ኪንገር ዝነበረን ዝጸንሐን’ዩ (ኢሳ 13፡10 ፣ 34፡4 ህዝ 32፡7 ፣ ዮኤ 2፡10 ፣ ጸፎ 1፡15)። ነዚ ምስ ኣንበብና፡ “ሕራይ እቲ ኣበሰኛ ሰብሲ ይጥፋእ፡ እዚ ዅሉ ግኡዝ ፍጥረትከ ንምንታይ’ዩ ዚጠፍእ፧” ዚብል ሕቶ ኼለዓዕለልና ይኽእል’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኵሉ’ቲ ሕጂ ዘሎ ፍጥረት ንሰብ ተባሂሉ ኸም ዝተፈጥረ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ሰብን ብሰሪ’ቶም ኣብ ኣየር ዚገዝኡ ስልጣናት ኣጋንንትን ከም ዝረኸሰ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር’ውን ጽዩፍ ከም ዝዀነ ዜረጋግጸልና’ዩ (ኤፌ 2፡1,2 ፣ 3፡10 ፣ ሮሜ 8፡20-22)።
እዚ ናይ’ዚ ሕጂ ዘሎ ሰማይን ምድርን መወዳእታ፡ ናይ ካልእ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን መጀመርታ ምዃኑ ግን ኣይንዘንግዕ። እዚ ተስፋ’ዚ ኸኣ ካብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ተነጊሩና’ዩ (2ጴጥ 3፡13 ፣ ራእ 21፡1 ፣ ኢሳ 65፡17)። ምስ’ቲ ኣረጊት ሰማይን ምድርን ዲና ኽንጠፍእ ወይስ ብትንሳኤ ተሓዲስና ኣብ’ቲ ሓድሽ ሰማይን ምድርን ኢና ኽንነብር፡ እቲ ኣብ’ዛ ሓላፊት ዓለምን ሓላፊ ህይወትን እንነብሮ ናብራ’ዩ ዚውስኖ። ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና መሰረታዊ ሓቂ ግን ኣሎ። ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ራእ 20፡11 ጥቕሲ፡ እቲ ኣረጊት ሰማይን ምድርን በቲ መለኮታዊ ረስኒ ከም ዘይነበረን ኣሰር ከም ዘይብሉን ኰይኑ’ዩ ኺጠፍእ። እቶም ንዅሉ ሰብ ዘስሓትዎ ኣጋንንትን እቶም ብሰሪ ሓጢኣቶም ንፍጥረት ሰማይን ምድርን ዚልክሙ ሓጥኣንን ግን፡ ኣሰር ከም ዘይነበሮም ኰይኖም ኪጠፍኡ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ንሰማይን ምድርን ዝሃመዀ ሓውን ረስንን ንዘለኣለም ኪነድዱን ኪሳቐዩን ኪነብሩ’ዮም (2ተሰ 1፡8 ፣ ማቴ 5፡29,30 ፣ 13፡40-42 ፣ 25፡41,45,46 ፣ ማር 9፡43-48 ፣ ሉቃ 16፡23,24 ፣ ሮሜ 2፡8,9 ፣ 1፡19,21 ፣ እብ 6፡7,8)። ካብ ከም’ዚ ዝበለ ሕሱም መፈጸምታ ምእንቲ ኽንድሕን ድማ’ዩ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ብተደጋጋሚ ዚንገረና ዘሎ።
ናይ ሰብ መወዳእታ ግን ምስ መወዳእታ ዓለም ዜራኽብ እንታይ ኣለዎ፧ ገና ዓለም ከይተወድአት፡ ከላ ንሕና በብመዓልትና ብሞት ንውድእን ንውዳእንዶ ኣየለናን ኢና፧ ብርግጽ ብመንጽር ጊዜ እንተ ርኢናዮ መወዳእታና ምስ መወዳእታ ዓለም ዘይኪጋጠም ይኽእል’ዩ። ጐይታና ተመሊሱ ኸም ዚመጽእ ካብ ዝተነግረሉ ጊዜ ጀሚሩ ብኣማእት ቢልዮናት ዚቝጸር ሰብ ብሞት ሓሊፉ’ሎ። ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ ናይ ምጽኣቱ ናይ ቅልውላው ዘመን ዘለና ብዙሓት’ውን ቅድሚ ምጽኣት ጐይታ ብሞት ክንፋነው ኢና። በቲ ኣብ ቀረባ ጊዜ ኪኽሰት ጀሚሩ ዘሎን ገና ዚቕጽልን ከበድትን ኣህላቖትን መዓታት፡ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ርብዒ ኽሳዕ ሲሶ ህዝቢ ዓለም ዚጸንተሉ ኣሰቃቒ ቕንያት’ውን ይጽበየና ኣሎ (ራእ 6፡3-8 ፣ 8፡5,7-13 ፣ 9፡2-10,15,18 ፣ 11፡13,18 ፣ 16፡18-20)። መወዳእታ ዓለም ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብህይወት ዚጸንሑ ናይ ግድን ኪህልው’ዮም። ካብ’ቶም ብህይወት ዝጸንሑ፡ እቶም ሓጥኣን ሞት ስጋ ኸይጠዓሙ ትኽ ኢሎም ናብ’ቲ ዝኸፍአ ኻልኣይ ሞት ኪሰግሩ’ዮም። እቶም ጻድቃን ድማ ካብ’ታ ‘ትጠፍእ ዘላ ዓለም ብደበና ሰማይ ተላዒሎም ንጐይታ ኣብ ኣየር ኪቕበልዎን ኪራከብዎን’ዮም (1ተሰ 4፡16,17)።
ሓንቲ ኸነስተውዕላ ዚግብኣና ሓቂ ግን፡ እቲ እንሞቶ ናይ ስጋ ሞት ንሱ መወዳእታና ዘይምዃኑ’ዩ። ናይ ስጋ ሞት መወዳእታኡ ዚኸውን በሃም እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ንሰብ ሞት-ስጋ መወዳእታኡ እንተ ዚኸውን፡ ኣብ መንጎ ጻድቕን ሓጥእን፡ ኣብ መንጎ ዚኣምንን ዘይኣምንን ዋላ ሓንቲ ፍልልይ የለን ማለት’ዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ብጽድቂ ንምንባር ርእስና እንገትኣሉ ዋላ ሓንቲ ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዘየለ፡ ከም ዝደለናዮ እናሓጣእናን እናዓበድናን ነዛ ሓጻር ምድራዊት ህይወትና ባህ ከም ዘበለና ጌርና ኽንዕንድረላ’ዩ ዚሓይሽ (1ቈረ 15፡29-33 ካ.ት) እንተ ዀነ እቲ ንዓለምን ንኣና ዝፈጠረ ጐይታ እዛ ‘ንነብረላ ዘለና ዓለምን እዛ ‘ንነብራ ዘለና ምድራዊት ህይወትን መጀመርታና’ምበር፡ መፈጸምታና ኸም ዘይኰነት ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ 22:31; ሉቃ 14:14; ; ዮሃ 5:25; 6:40; 11:25; ግብ 24:15; ; ሮሜ 4:17; 1ቈረ 6:14; 15:22; 2ቈረ 4:14; ፊል 3:11; 4:16; እብ 6:2ራእ 20:13)። ብመለኮታዊ ግርማኡን ሓይሉን ተመሊሱ፡ ንህያዋንን ምውታትን፡ ንሓጥኣንን ጻድቃንን ኪፈርድ፡ ነናብ መወዳእታ ድማ ኪምድበና ምዃኑ ብንጹር ገሊጹልና’ዩ (ሚል 4:1; ማቴ 25:46; ማር 3:29; ሉቃ 3:17; 2ተሰ 1:9; 2ጴጥ 2:9; 3:7; ራእ 14:11; 20:15)። ነዚ ኺገብር ምስ መጸ፡ ቅድም ነቶም ምውታት ኼተንስኦምን ኪእክቦምን’ዩ። ሽዑ እቶም ብሞት ደቂሶም ዝጸንሑን እቶም ብህይወት ዝጸንሑ ሓቢሮም ብደበና ተላዒሎም ኪዓርጉን ንጐይታና ኣብ ኣየር ኪቕበልዎን’ዮም። ንሱ ድማ ናብቲ ናይ ክብርን ህይወትን ዘለኣለማዊ መወዳእታኦም ብኽብሪ ሒዝዎም ኪድይብ’ዩ (1ተሰ 5፡13-18 ፣ ራእ 20፡11-15)። ስለ’ዚ ቕድሚ ምጽኣት ጐይታ ዚፍጸም ዝዀነ ዓይነት መወዳእታ የለን። እታ ኣብ ምድሪ ብኣካለ-ስጋ እንጸንሓላ ዕድመ ጥራሕ’ያ ‘ትውዳእ’ምበር፡ ካብ ህላወ ኣይንጠፍእን ኢና። ስጋና ኣብ መቓብር ደቂሱ ይጸንሕ፡ ከከም ዓይነት ህይወትና ድማ ነፍስና ኣብ ገነት ወይ ኣብ ሲኦል ትጸንሕ። እታ ናይ ብሓቂ መወዳእታ ምስ መጸት ግና ስጋና ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ ምስ ነፍሱ ተዋሂዱ ይትንስእ፡ ናብ’ቲ ዝተመደበልናን ዝተፈርደልናን ዘለኣለማዊ መወዳእታና ድማ ንግዝ። እዚ ሓቂ’ዚ ብንጹር ተገሊጹልና’ዩ።
ኣብ’ቲ ናይ ሉቃ 16፡19-31 ናይ ጐይታና ትምህርቲ ንመልከት። እዚ ምህሮ’ዚ ምስላ ኣይኰነን። ኣብ ዝዀነ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ “ምስላ” ምዃኑ ዚገልጽ ኣይንረክብን ኢና። ጐይታና ኣብ ዚህቦ ምስላታት ከኣ ስም ጠቒሱ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብ’ዚ ኣብነታዊ ምህሮ’ዚ፡ እቲ ብስም ዘይተጠቕሰ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ብስጋ ድሕሪ ሙማቶም ብነፍሲ ገና ብህይወት ከም ዝነበሩ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ታሪኽ’ዚ ናይ ድሕሪ ምጽኣት ታሪኽ ዘይኰነስ ናይ ቅድሚ ምጽኣት ታሪኽ’ዩ። ምኽንያቱ ናይ’ቲ ሃብታም ሰብኣይ ሓሙሽተ ኣሕዋት ገና ብህይወት ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ ቤት ኣቦኦም ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ተነጊሩና ኣሎ (16፡27,28)። ኣቦና ኣብርሃም’ውን ኣብ መልሱ፡ ሙሴን ነብያትን የገልግልዎም ከም ዘለው ገሊጹሉ ኣሎ (16፡29)። ስለ’ዚ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ናይ ምሾትን ጣዕምን ናብራኡ ደኣ ወዲኡ’ምበር፡ ናብራስ ኣየቋረጸን። ግናኸ “ናብራና ኣይግበሮ” ዜብል ሕሱም ናብራ’ዩ። ኣልኣዛር ግን ናይ ስቓይ ናብራ ኣቋሪጹ፡ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ዕረፍትን ክብርን ሓጐስን ናብራ ይነብር ነበረ። ናይ ዓለም መወዳእታ ምስ ኰነ ግን እቶም ኣብ ሲኦል ዝጸንሑ ነፍሳት መወዳእታ ስጋኦም ለቢሶም ናብ ገሃነም፡ እቶም ኣብ ገነት ዝጸንሑ ኸኣ ነቲ ብምስሊ ክርስቶስ ዝተሓደሰ ስጋኦም ለቢሶም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ብኽብሪ ኺኣትው’ዮም። መደምደምታ ናይ’ዚ ሓሳብና’ምበኣር፡ እቲ ዘለኣለማዊ እቲ ኣብ ናይ ዓለም ነቲ ንስቓይ ዘሓደሰ ዘይመውት እንኣትዎ ዘይልወጥን መፈጸምታ ዘይብሉን፡ ናይ መንግስተ ሰማያት ወይ ከኣ ናይ ገሃነም ናብራ’ዩ። ናይ ስጋ-ሞት መወዳእታና ኣይኰነን። እቲ ኣብ መንጎ ሞትናን መወዳእታ ዓለም ዘሎ መጻንሒ ናይ መሰጋገሪ እዋን’ውን መወዳእታና ኣይኰነን።
እሞ ነዚ ምስ መወዳእታ ዓለም ዚኽሰት ናይ ሓቂ መወዳእታና ደኣ ብኸመይ ኢና ኸነጸብቖን ኽንልውጦን ንኽእል፧ ኣንጉዕ ናይ መልእኽትና ኣብ መልሲ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ’ዩ ዚርከብ። መወዳእታና ንምጽባቕ ዘይንጥቀመሉ እንተ ዄንና፡ በቲ ብዛዕባ ናይ ዓለም መወዳእታ ዘሎና ፍልጠት ዋላ ናብ ማዕርግ ሊቅነት እንተ በጻሕና’ኳ ዋላ ሓንቲ ዋጋ የብሉን። ንሕናን ፍልጠትናን ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ኽንጥጠቕ ምንባርና ዘይተርፍ’ዩ። ስለ’ዚ “መወዳእታ ቐረበ ቐረበ” ኺበሃል ከሎ፡ ኣድህቦናን ተገዳስነትናን ኣብ’ቲ ዚኽሰት ናይ መወዳእታ ምልክታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ናትናን ናይ ሰብናን መወዳእታ ኺኸውን’ዩ ዚግብኦ። ኣእምሮና በቲ ሽዑ ዚኽሰት ፍጻመታት ተዋሒጡን ተዓብሊኹን፡ ነቲ ናትና መወዳእታ እንተ ረሲዕናዮ፡ ተጣዒስካ ዘይተዐርዮ መዘና ኣልቦ ዕሽነት’ዩ ኪኸውን። ገሌና’ውን’ኮ ነዚ ናይ መወዳእታ ምልክታት ንዅሉ ኸየርከብናሉ ብሞት ምግዓዝና ዘይተርፍ’ዩ። ነቲ ናይ መወዳእታ ዘመንን ፍርድን ግን ኣምሊጥና ማለት ኣይኰነን። ይትረፍ ንሕና ኣብ ኣፍ ደገ ምጽኣቱ ዝተፈጠርና ሰባት፡ እቶም ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ነቢሮም ዝሞቱ ጥንታውያን ሰባት’ኳ ብመንጽር’ዚ ናይ መወዳእታ ዘመን’ዮም ዚምዘኑን ዚፍረዱን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ናይ ዓለም መወዳእታ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ብሞት ዚውዳእ ምድራዊ ህይወትና ኢና ‘ንሕተትን ‘ንፍረድን። ናይ’ቲ ዘለኻዮ ዘመን ኣናብባኻን ኣፍልጦኻን፡ መወዳእታኻ ኣብ ምጽባቕ ግደ’ኳ እንተ’ለዎ፡ ወሳኒ ግን ነዚ ምድራዊ ህይወትካ ብኸመይ ትነብሮን ትዛዝሞን’ዩ። ሓደ ክርስትያን፡ “ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ጽቡቕ ተገዳስነትን ፍልጠት ኣለዎ” ዚበሃል፡ ብዚፈልጦ ጥቕስታትን፡ በቲ ንጥቕስታት ምስ’ቲ ዚፍጸም ዘሎ ምልክታት ናይ ምግንዛብ ዓቕሙን ዘይኰነስ፡ በቲ ንናቱ መወዳእታ ንምጽባቕ ዚነብሮ ዓይነት ህይወት’ዩ። ጐይታና ኰነ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ምልክታት መወዳእታ ዓለም ደጋጊሞም ዝነገሩና፡ ሕጂ’ውን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ደጋጊማ ብኣገልገልታ ትነግረና ዘላ፡ ብእምነትን ብፍቕርን ተደሪኽና ንኽንእዘዝ’ምበር፡ ንኽንሻቐልን ብራዕዲ ንኽንወሓጥን ኣይኰነን። መልእኽቱ “ከይትዝንግዑ ተጠንቀቑ፡ ህይወትኩም መርምሩ፡ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ” ዚብል’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ብዛዕባ መወዳእታኹም ኣዕሚቝኩም ሕሰቡ፡ ኣዚኹም ትግሁ” ማለት’ዩ። ህዝቢ እስራኤል ብዛዕባ መወዳእትኡ ኸይሓሰበ፡ ብዛዕባ’ቲ ነናይ መዓልቲ ናብራኡ ደስ ከም ዝበሎ ከም ድላዪ ይነብር ስለ ዝነበረ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዚጉህየሉ ህዝቢ ነበረ። ስለ’ዚ ኸኣ ድኻሙ እንታይ ምዃኑ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ይገልጾ ነበረ።
“ምኽሪ ዚጠፍኦም ህዝቢ’ዮም፡ ምስትውዓል ከኣ የብሎምን። ነዚ ኼስተውዕልዎ ነቲ ዳሕራዮም (መወዳእታኦም) ከኣ ኪሓስቡስ፡ ለባማት እንተ ዚዀኑ (መን ምሃበ)። . . . ነዚ ኣብ ልብኺ ኸየንበርኪ፡ (ብዛዕባ) መወዳእታ’ውን ከይሓሰብኪ (‘ኣነስ ኰታ ንዅሉ ጊዜ ንግስቲ ዀይነ ኽነብር’የ’) በልኪ። . . . ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ኣሎ (ብግህዶ ይረኣይ ኣሎ)፡ ንመወዳእታኣ ኣይሓሰበቶን (ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ዕድላ ኣይተገደሰትን)፡ . . . “ ዘዳ 32፡28,29 ፣ ኢሳ 47፡7 ፣ ደጒ 1፡9 ካብ’ዚ ንህዝቢ እስራኤል ኣዝዩ ዝሃሰየ ናይ ዕሽነት ኣካይዳ’ዚ፡ ብዙሕ ክንመሃርን ክንልብምን ይግብኣና’ዩ። ብዛዕባ መወዳእታና ኸይሓሰብናን ንእኡ እነጸብቐሉ ዓይነት ናብራ ኸይነበርናን እንነብሮ ህይወት ካብ “ናብራ” ኽትብሎ “ዝተናወሓ ርእሰ ቕትለት” ክትብሎ’ዩ ዚምጥኖ። ጐይታና ኣቐዲሙ ደጋጊሙን ብዛዕባ ምልክታትን ፍጻሜታትን ናይ መወዳእታ ዓለም ዝነገረና ድማ፡ ካብ’ዚ ዕሽነት’ዚ ምእንቲ ኺባልሃና’ዩ። ነቲ ዘለኣለማዊ መወዳእታና ንኸነጸብቐሉ ዝተዋህበና ናይ ጊዜ ዕድል እዚ ሓጺር ምድራዊ ዕድመና’ዩ። እዚ ዕድመና’ዚ ኽንደይ ምዃኑ ዚፈልጥ ከኣ ዋላ ሓደ ሰብ የብልናን። እዚ ዕድመ’ዚ ድማ ኣሎ እናበልካዮ ዚሃፍፍ፡ ምስ ምንባር ዘይቍጸር ብመርገም ዝተሓጽረ ናይ ጻዕርን መከራን ዕድመ’ዩ። ንኣቓልቦኻ ሰሪቑ ብዛዕባ መወዳእታኻ ፈጺምካ ኸም ዘይትዝክርን ከም ዘይትሓስብን ብዚገብር ከንቱ ዝዀነ ሓልዮት-ስጋ ዝተመልአ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ እቲ ኣብ ዓለም ዚኽሰት ናይ ምጽኣት ጐይታን ናይ መወዳእታ ዓለምን ምልክታት-ቅልውላው ካልእ ሓድሽ ሓልዮታት ስለ ዜለዓዕል፡ ብዛዕባ መወዳእታኻ ኸይትሓስብ ዚዕብልኸካ’ዩ። ካብ’ዚ መቝሕ ናይ ሓልዮት ስጋ እነምልጠሉ ኣዝዩ ዓሚቝ መንፈሳዊ ልቦና እንተ ዘየጥሪና፡ መወዳእታና መዋጽኦ ዘይብሉ ኣሰቃቕን ዜሰካሕክሕን ኰይኑ’ዩ ዚተርፍ።
ነዚ ምልክታት ናይ መወዳእታ ዘመን ብኸመይ ኢና ናብ ዘለኣለማዊ ረብሓና ‘ንልውጦ፧ እቲ መልሲ ንጹር’ዩ። ነቲ እንዕዘቦን እንሰምዖን ዘለና ምልክታት-መወዳእታ፡ ከም ናይ ዓለም ምልክታት ዘይኰነስ፡ ከም ናይ ገዛእ ህይወትና ናይ መወዳእታ ምልክታት ጌርና ብምርኣይ ጥራሕ’ዩ። ከምኡ እንተ ርኢናዮ፡ ነቲ ንመወዳእታና ዜበላሽው ሓጢኣት ብግብራዊ ንስሓ ኣርሒቕና፡ ብጽድቂ ኽንነብር ኪድርኸና’ዩ። ኣብ መሪሕ ጥቕስና፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል (ብብዙሕ ጭንቂ) ዚድሕን እንተ ዀይኑ፡ እቲ ንኣምላኽ ዘይእዘዝ ዕሉል ዓመጸናን ሓጥእን ሰብ፡ መወዳእታኡ ፍሉጥን መሰክሕን ምዃኑ ኣፍሊጡና ኣሎ። ስለ’ዚ ዓመጽን ሓጢኣትን ይትረፍ ማሕደሩን መንበሪኡን ኪገብረና፡ ፈጺሙ ኸም ዘይጠብቀና ንምግባር ክንጋደል ከም ገለ ኢሉ እንተ ጠበቐና ድማ ብግብራዊ ንስሓ ኻብ’ቲ ለካሚና ሓጢኣት ርእስና ኸነንጽህ ይግብኣና። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሕሱም እዋን፡ ሰይጣንን ሰራዊት ኣጋንንቱን ሓጥኣን ኣገልገልቱን፡ ሓጢኣት ኬጥብቑልና ጥራሕ ዘይኰነ ማሕደር ሓጢኣት ኪገብሩና ኣበርቲዖም ኪጋደሉ ምዃኖም ከኣ ርዱእ’ዩ። እዚ ንግብረ-ሰዶም ኣመልኪቱ ዚወጽእ ዘሎ ሕግታት-ዓመጻ ንኣናን ንዘርእናን በዚ ጽዩፍ ኣበሳ’ዚ ኽንብከል ዜገድደና ሰይጣናዊ ድርኺት’ዩ። ኣብ ግምባርናን ኣእዳውናን ማሕተም ሰይጣን ክንቅበልን ንምስሊ ሰይጣን ክንሰግድን ዜገድደና ሕግታት’ውን ኣብ ቀረባ መጻኢ ምእዋጁ ዘይተርፍ’ዩ። እዚ ዅሉ ድማ፡ ብዘይ ሓጢኣት ክንነብር ከም ዘይንኽእል ንምግባር ዝዓለመ ሰይጣናዊ ውዲት’ዩ። እቲ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ መወዳእታኡ ዚሓስብን ዚጽዕትን ሰብ ምዃንናን ዘይምዃንናን ድማ ኣብ’ዚ’ዩ ዚፍለጥ። እቲ ብዛዕባ’ዛ ምድራዊት ናብራኡ ጥራሕ ዚሓስብ ሰብ ነቲ ሕጋውነት ዝለበሰ ሓጢኣቱ እናገበረ’ዩ ዚነብር። እቲ ብዛዕባ መወዳእትኡ ዚሓስብ ብልሂ ክርስትያን ግን ህይወቱ ደኣ መስዋእቲ ይገብር’ምበር፡ ብምርጭኡ ዀነ ብኣስገዳድ ንዘይምሕጣእ’ዩ ዚውስን (ራእ 13፡13-18 ፣ 14፡9-13)። ንሓጢኣት ክንጽየፎን ክንኣብዮን እንተ ወሲንና፡ ኣብ’ዛ ሓላፊትን ምድራዊትን ህይወትና መሪር ጸበባ ኸም ዜስዕበልና ርዱእ’ዩ። ካብ’ቲ ዘለኣለማውን ከቢድን ጸበባ፡ እዚ ጊዝያውን ቀሊልን ጸበባ ኸም ዜሕሾም ዚፈልጡ ግና እቶም ብዛዕባ መወዳእታኦም ኣዕሚቖም ዚሓስቡ ጥራሕ’ዮም።
እምበኣር ነዚ ኣብ ፍቓድናን ምርጫናን ዚምርኰስ ኣብ ኢድና ዘሎ መወዳእታና ብኸመይ ሒዝናዮን ነመሓድሮን ከም ዘለና፡ ንህይወትና ብዕቱን ንመርምር። መወዳእታና፡ ብኣናን ኣብ ኢድናን ከም ዚጽብቕን ከም ዚበላሸውን ካብ ምዝካር ኣይንዘንግዕ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
25 ግንቦት 2025 | ግንቦት 17, 2016 ግዕዝ (መበል 37 ሰንበት: ቊ.፴፯/37) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።” “እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ’ያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2ቈረ 5፡1-10 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 4፡4-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 10፡39-43 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 21፡1-14 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ