“ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም’ዩ። ነቲ መንፈስ ሓቂ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቕበሎ ኣይኰነላን’ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሓድር ኣባኻትኩም’ውን ኪነብር’ዩ’ሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። . . . እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ኵሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለ’ውን ኬዘክረኩም’ዩ።” ዮሃ 14፡16,17,26 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ታሽዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ ዕርገት፡ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ ዘመነ ጰራቅሊጦስ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሰንበት ናይ ጾመ ሃዋርያት’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መዓልቲ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝረኣናዮ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ክሳዕ’ዛ ሰንበት’ዚኣ ዘሎ ሸሞንተ መዓልታት “ዘመነ ጰራቅሊጦስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ (ምስጢረ ሜሮን) ክንመሃርን ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን፡ ነቲ ብመንፈሱ ገይሩ ንዅሉ ጸጋታቱ ዝሃበና ኣምላኽ ድማ እቲ ዚግብኦ ኽብርን ምስጋናን ከነቕርበሉ ዝተሰርዓልና ዝተባረኸ ዘመን’ዩ። በዓለ ትንሳኤን በዓለ መንፈስ ቅዱስን ከም ሓንቲ ዕለት ስለ ዚረኣያ፡ ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ንዅሉ’ቲ ናይ በዓለ ትንሳኤ ንባባትን ምስባክን መዝሙርን ኢና ኣብጺሕና። ንዅሉ’ቲ ብፍሉይ ንመንፈስ ቅዱስ ዚምልከት መዝሙርን ምስባክን ንባባትን ግን ኣብ’ዚ ሰንበት’ዚ’ዩ ዚበጽሕ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተደርሰ መዝሙር -ሰንበት፡ “ወረደ መንፈስ ቅዱስ” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ግብ 2፡1-4 ፣ ግብ 1፡8,9 ፣ ዮሃ 14፡16-18,27 ፣ 20፡17,21,22 መሰረት ገይሩ ዝተደርሰ መዝሙር’ዩ። እቶም በዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዑ ምስባካት ኰነ ንባባት ድማ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዚገልጽ ትሕዝቶ ዘለዎም`ዮም። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዮሃ 14፡12-31 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉ ክርስትያን ልክዕ ከም’ቲ ዚናብዮ ዝሰኣነ ዘኽታም ቈልዓ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። ዝኽትምና ድማ ኣዝዩ ኸቢድን ሃሳይን ማሕበራዊ ጸገም’ዩ። ናይ ስጋ ወላዲ ምስኣን ዚፈጥሮ ማሕበራዊ ዝኽትምና ግን፡ ምስ’ቲ መንፈሳዊ ዝኽትምና ኺነጻጸር ኣይክእልን’ዩ። “እዚ ኣባህላ’ዚ ማሕበራዊ ዝኽትምና ቀሊል ጸገም’ዩ” ንምባል ዝዓለመ ኣይኰነን። ምስ መንፈሳዊ ዝኽትምና ኺዳረግ ዚኽእል ግን ኣይኰነን። ማሕበራዊ ዝኽትምና ባዕልኻ ብምርጫኻ እትኣትዎ ኣይኰነን። ወለድኻ ስለ ዝሞቱኻ ኢኻ ትዝኽትም፡ ባዕልኻ ስለ ዘይቀተልካዮም ድማ ዜስዕበልካ ተሓታትነትን ፍርድን የለን። መንፈሳዊ ዝኽትምና ግን ባዕላዊ ምርጫ’ዩ። ኣምላኽ ስለ ዘይመውት ከኣ፡ ወላዲኻ ገና ብህይወት ከሎ እትዝኽትም’ዩ። ናይ ዝኽትምናኻ ጠንቂ ባዕልኻ ስለ ዝዀንካ፡ ተሓታትነትን ፍርድን ዘለዎ’ዩ። እግዚኣብሄር ኣቦ ነቲ ብቕዱስ ወዱ ኣሚኑ ብመንፈስ ቅዱስ ካብኡ ዝተወልደ ሰብ፡ መንፈሱ ኣይከልኦን’ዩ። እኳ ደኣ ንዘለኣለም ምስኡ ኺነብር ኢሉ ስለ ዚህቦ፡ እቲ ናይ መንፈሳዊ ዝኽትምና ነገር ንሓዋሩ’ዩ ዜብቅዕ። ወላዲ ድማ ብዜድልየካ ዅሉ ይምግበካ ይምህረካ፡ ይመርሓካ፡ ይእርመካ፡ የዕብየካ፡ የተባብዓካ፡ ምሉእ ሰብ ክሳዕ ‘ትኸውን ድማ ይናብየካ። እቲ ናይ መንፈስ ወላዲና እግዚኣብሄር ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ነዚ ዅሉ ይገብረልና’ዩ። መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይብልና ግና፡ ናቱን ደቁን ስለ ዘይኰንና፡ ነዚ ዅሉ ኣይንረኽቦን ኢና። ስለ’ዚ ኸም ቅዱስ ዳዊት፡ ብዘይ’ዚ መንፈስ ቅዱስ ምዃን ኬፍርሃናን፡ ኣዘውቲርና ድማ፡ “ቅዱስ መንፈስካ ኣይተግድፈኒ፡ ሰናይ መንፈስካ ይምርሓኒ” እናበልና ኽንጽልይን፡ ንጸጋና ርኢና ኸይንስእኖ ብጥንቃቐ ክንዕቅቦን ይግብኣና።
ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚርና ድማ ኣብ ዘመነ ጾም (ጾመ ሃዋርያት) ኢና ተጸሚድና ዘለና። ጾምን ጸሎትን መንፈሳዊ ሚዛንና ኣብ ምሕላው ልዑል ግደ ዘለዎም ስነ ምግባራት’ዮም። እዚ ዘመነ ጾም’ዚ እግዚኣብሄር ነቲ ማሕተም ውልድነትናን ዕርቡን ርስትና ዝዀነ ቅዱስ መንፈሱ ኼዕዝዘልና እንጽልየሉ፡ ብንስሓ ካብ ሓጢኣትናን ኵሉ ድኻም ስጋናን እንነጽሃሉ፡ ስጋና ኣሕሲእና መንፈስና ኣሓዩልና ቅዱስ ገድሊ እምነት እንጋደለሉ ዘመን’ዩ። ኣቦታትና ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ኣርኣያ ጐይታኦም ተኸቲሎም፡ ብጾምን ጸሎትን ይጋደሉ ስለ ዝነበሩ’ዮም ኣብ ህይወቶም ኰነ ኣብ ኣገልግሎቶም ዕውታት ዝዀኑ (ግብ 1፡14 ፣ 4፡23-31 ፣ 10፡8,9 ፣ 11፡4,12 ፣ 12፡5,12 ፣ 13፡2,3 ፣ 14፡23 ፣ 2ቈረ 6፡5 ፣ 11፡27)። ብጾምን ጸሎትን ቅዱስ ገድሊ ኽንጋደል ከለና፡ እቲ ቐንዲ መራሒናን ደጋፊናን መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ካብ’ቲ ንኣርኣያና ዝተገብረ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ጾም ገድሊ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና (ሉቃ 4፡1)። እምበኣር ንሕና’ውን ከም ጐይታናን ከም ኵሎም ነብያትን ሃዋርያትን ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ዜኽብርን ዜስምርን ዘመነ ጾም ከነሕልፍ እግዚኣብሄር ይደግፈና።
ንምንታይ’ዩ መራሒ ዜድልየና፧ ንህይወትና ባዕላትና ኽንመርሓዶ ኣይንኽእልን ኢና፧ ብዛዕባ እንታይ’ዩኸ ኺመርሓና፧ ናይ መራሒ ኣድላይነት ምስ ዓይነትን ዕላማን ናይ ምፍጣርና ቐጥታዊ ምትሕሓዝ ዘለዎ’ዩ። ንሕና ዘይከም እንስሳታትን ካልኦት ግኡዛን ፍጥረታትን፡ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ፡ ብኣርኣያ ቅድስት ስላሴ ኢና ተፈጢርና። መልክዕ ኣምላኽ ለቢስካ ምፍጣር ማለት ድማ፡ ንመልክዕን ቍመናን ናይ ስጋዊ ኣካላት ዘይኰነስ፡ ናይ ባህርይ መልክዕ ማለት’ዩ። ሰብ ኪፍጠር ከሎ ካብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ሓመድ፡ ካብ ኣምላኽ ከኣ መንፈስ ተኻፊሉ’ዩ ዝተፈጥረ። እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተኻፈልናዮ መንፈስ’ዩ፡ ኣብ’ዚ ስጋዊ ህይወትናን ናብራናን፡ ናይ ኣምላኽ ባህርይ ለቢስና ኽንመላለስ ዜኽእለና። ዝተፈጠርናሉ ዕላማ ድማ፡ ናይ’ቲ ዘይረኣይ ኣምላኽ ባህርይ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብዚረኣይ መገዲ ንኸነንጸባርቖ’ዩ። በቲ ግብራዊ ናብራና ናይ’ቲ ዘይረኣይ ኣምላኽ ናይ ህልውናኡ ምስክር ምእንቲ ኽንከውን ካብ ተፈጠርና፡ ተልእኮ ናይ ህይወትና ኣዝዩ ዓብይን ክቡርን ምዃኑ ብሩህ’ዩ።
ነዚ ኣብ ስጋዊ ዕድመናን ናብራናን ዚፍጸም መለኮታዊ ተልእኾ’ዚ፡ ብዘይ መሪሕነት ናይ’ቲ ዝፈጠረናን ዝለኣኸናን ኣምላኽ ክንትግብሮ ኣይከኣልን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ካብ’ታ ሰብ ኣብ ገነት ዝተፈጥረላ ዕለት ጀሚሩ እግዚኣብሄር ኪመርሖን መምርሒ ኺህቦን ጀመረ። እታ ቐዳመይቲ መምርሒት ንምግቢ ‘ትምልከት ነበረት (ዘፍ 2፡16,17)። እታ ኻልኣይቲ ምርሒት ድማ ንመውስቦ ትምልከት ነበረት። ናይ መውስቦ ኣድላይነት ብኣምላኽ’ምበር፡ ብሰብ ኣይተገልጸን። “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ (ስለ’ዚ) ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ’የ” ኢሉ ንሄዋን ፈጠረሉ’ምበር፡ “ደጋፊት ዘይብለይ በይነይ ስለ ዝዀንኩ፡ ጽቡቕ የለኹን” ኢሉ ኣዳም ኣይጠርዐን ኣይለመነን (ዘፍ 2፡18-25)። ንኽልቲኦም ፈጢሩ ምልኣት ምስ ሃቦም ድማ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” ኢሉ ሳልሳይ መምርሒ ሃቦም (ዘፍ 1፡26-28)። ኣስዒቡ ድማ ብዛዕባ ኺምገብዎ ዚግባእ ዝሰፍሓ መምርሕን ትእዛዝን ሃበ (ዘፍ 1፡29,30)። ስለ’ዚ ሰብ መምርሕን ምርሒትን ከም ዜድልዮ ገና ኻብ’ታ ዝተፈጥረላ ዕለት ጀሚሩ ዝተረጋገጸ’ዩ።
ሰብ ናብ ከቢድን ዘለኣለማውን ጸበባ ዝወደቐ፡ “ባዕለይ ንርእሰይ እመርሕ’ምበር፡ ብኣምላኽ ኣይምራሕን’የ” ኢሉ ምስ ዓለወን፡ ዝተዋህቦ መምርሒ ኼፍርስን ኪጥሕስን ምስ ጀመረን’ዩ። ናብ ከም’ዚ ዝበለ ድርቅናን ዕሽነትን ዝደረኾ ድማ እቲ እኩይ ድያብሎስ’ዩ። ምኽንያቱ መምርሒ ምሕሳምን ምጥሓስን እንታይ ዓይነት ሳዕቤን ከም ዚህልዎ፡ ብዙሕ ዘመናት ዘቝጸረ መሪር ተመክሮ ኣለዎ። መራሕን መምርሕን ዘይብልካ ምዃን ኣዝዩ ኽፉእ እንስሳዊ ትዕድልቲ’ኳ እንተ ዀነ፡ ብኣንጻሩ መራሕን መምርሕን እናሃለወካ ንእኡ ዓሊኻን ተሓሲምካን ገዛእ ርእስኻ ክትመርሕ ምድላይ ድማ እምብዛ ዝኸፍአ ኣጋንንታዊ ምርጫ’ዩ። ናብ ከም’ዚ ዝበለ ዓለወኛ ምርጫ ዚደፍኣና ዜጽድፈናን ዘሎ ድማ፡ ዓይነትን ዕላማን ናይ ምፍጣርና ኸም ዚግባእ ስለ ዘይፈለጥናዮ’ዩ።
ንእግዚኣብሄር ተወረስትን ዘይተወረስትን መለኮታውያን ባህርያት ኣለውዎ። እቶም ዘይውረሱ መለኮታውያን ባህርያት ብዘይካ ንኣምላኽ፡ ነቲ ፈጣሪ፡ ንፍጡር ዘይምጥንዎ’ዮም። ንሳቶም ከኣ ዘለኣለማውነት ኵሉ-ኸኣልነት፡ ኵሉ-ፈላጥነት፡ ኣብ ኵሉ ዚርከብ ምዃንን ካልኦትን ዜጠቓልሉ’ዮም። እቶም ተወረስቲ ባህርያት ድማ እቶም ክንለብሶምን ኪህልውናን ዝተኣዘዝናዮም ኵሎም ባህርያት`ዮም፡ ከም ኣብነት ፍቕሪ፡ ሰላም፡ ጽድቂ ቅድስና፡ እሙንነት፡ መጋቢነት፡ ትዕግስቲ፡ ርእስካ ምግታእ፡ ሕያውነት፡ ንጽህና ወዘተ ዝኣመሰሉ’ዮም። እዞም ባህርያት’ዚኣቶም በቲ ናይ ኣምላኽ ደረጃ ደኣ ኣይኹን’ምበር፡ በቲ ሰብኣዊ መጠንናን ዓቕምናን ብተፈጥሮ ሒዝናዮም እንውለድ ባህርያት’ዮም። እቲ ዜሕዝን ግና ካብ ነዞም ናይ ተፈጥሮ ትዕድልትና ዝዀነ ባህርያት’ዚኣቶም፡ ነቶም ሰይጣን ዝመሃረናን ዘስረጸልናን ሓጥእ ባህርያት እነዘውትረሉ ጊዜ ዚበዝሕ ምዃኑ’ዩ። ነቲ ዝተኻፈልናዮ መለኮታዊ ባህርያት ገዲፍና እንስሳውን ሰይጣናውን ባህርያት ነዘውትር። እዚ ዅሉ ዕንወት’ዚ ድማ ናይ መራሕን መምርሕን ኣድላይነት ክሒድና፡ ቅኑዕ መሲሉ ብዝተራእየና መገዲ፡ ንርእስና ባዕላትና ኽንመርሕ ስለ ዝመረጽና ዝሰዓበ’ዩ። ግደ ሓቂ፡ ክፉእ መራሒ ደኣ ኢና መሪጽና’ምበር፡ “ባዕላትና ንርእስና ንመርሕ ኣለና” ኺበሃል’ውን ኣይከኣልን’ዩ። ናይ’ቲ ሕያዋይ ወላዲና መሪሕነት ተሓሲምና፡ ናይ’ቲ ሕሱምን ጸላኢና መሪሕነት መሪጽና ባሮቱ ዄንና ንነብር ኣለና። ንሱ ኸኣ ክኢላ ጠባርን መታለልን ስለ ዝዀነ፡ ንርእስና ንመርሕ ዘለና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ገይሩ ብረቂቕ ውሕልነት ባዕሉ ይመርሓና ኣሎ።
ናይ መሪሕነት ኣድላይነት ነጺሩ ዚረኣየና፡ ነቲ ምድራዊ (ስጋዊ) ናብራናን ነቲ መንፈሳዊ ባህርይናን ብኸመይ ከነዛምዶ ኸም ዚግብኣና ምስ ዚርድኣና’ዩ። መንፈሳውነት ዚበሃል ነቲ ስጋዊ ናብራናን ዝምድናታትናን በቲ ኣምላኽ ዘውረሰና መንፈሳዊ ባህርያት ከነመሃድሮን ክንነብሮን ምኽኣል’ዩ። ንሕና ግና ነቲ ስጋዊ ናብራና ብስጋዊ ባህርያት፡ ነቲ መንፈሳዊ ጕዳያትና ኸኣ በቲ መንፈሳዊ ባህርያት ክንዋስኣሉ ዚግባኣና`ዩ ዚመስለና። ዋላ ኸምኡ ደኣ ይምሰለና`ምበር፡ ብግብሪ ግን ንስጋዊ ዀነ ንመንፈሳዊ ጕዳያትና ብስጋዊ ኣገባብን ባህርይን ኢና ነመሓድሮ ዘለና። ንስጋዊ ናብራኻ ብመንፈሳዊ ባህርይ ምምሕዳር፡ ካብ ሰብኣዊ ዓቕሚ ንላዕሊ ስለ ዝዀነ፡ ንበይንና ዄንና ባዕላትና ኽንገብሮን ክንዕወተሉን ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ እቲ ውዱቕን ሓጥእን ባህርይና ነቲ መንፈሳዊ ዓቕምና ረሚስዎን ኣዳኺምዎን`ዩ። ኣብ ርእሲ`ቲ ስጋዊ ድኻምና፡ እቲ ንውድቀትናን ውርደትናን ዝተዓጥቀ ድያብሎስ`ውን ስለ ዚዕንቅፈና፡ ነቲ ናይ ምዕዋት ተኽእሎና ኸም ዓይኒ መርፍእ`ዩ ዜጽብቦ። ስለ`ዚ ኸኣ`ዩ ጐይታና፡ “ብዘይካይ ሓንቲ`ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ዝበለና (ዮሃ 15፡5)። ብዛዕባ ድኻምና፡
“ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ`ዩ`ምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ`ኳ ኽንሓስብ ኣይከኣለናን`ዩ። . . . ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ከም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስ`ውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ እፈልጥ ኣለኹ።” ዚብል ናይ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ተኣምኖ`ውን ኣሎ (2ቈረ 3፡5፣ ኤር 10፡23)። ናይ ኣምላኽ መሪሕነትን ኣብ ህይወትና ግድነታዊ ኣድላይነት ከም ዘለዎ`ምበር ርዱእ`ዩ። ቅኑዕ መሲሉ ብዝተራእየና ጥራሕ ንምራሕ እንተ ዄንና፡ መወዳእታና ጥፍኣት ከም ዚኸውን ርጉጽ`ዩ። ንጉስ ሰለሞን ኣብ`ቲ ምስላታቱ ነዚ ሓቂ`ዚ ግሩም ገይሩ ኣብሪህዎ ኣሎ።
“ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት`ዩ። ምሳ 16፡25፣ 14፡12
ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር`ዩ ዜቃንዓ። . . . ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳልው፡ መልሓስ፡ ትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር`ዩ።” ምሳ 16፡1,9
ምርሒት ኣምላኽ ክሳዕ ክንድ`ዚ ኣገዳሲ ኻብ ኰነ፡ ዚመርሓና፧ እግዚኣብሄር ኪመርሓና ብግብዝነትን ብልግምን ዘይኰነስ፡ ሓቀኛን ንጹህን ድልየት እንተ`ልዩና፡ እግዚኣብሄር መሪሕነቱ ኣይበቅቀልናን፡ ኣይከልኣናን ከኣ`ዩ። ምምራሕ፡ ንእግዚኣብሄር መለኮታዊ ባህርዩ`ዩ። ንሰብ ዚመርሓሉ ዝተፈላለየ መገድታት ድማ ኣለዎ። ብቓሉ፡ ብመንፈሱ፡ ብሰብ፡ ብሕልሚ፡ ብራእይ፡ ሓሳቡ ኣብ ልብና ብምንባር፡ ወዘተ ይመርሓና`ዩ። በየናይ መገዲ ይመርሓና፡ ናቱ ናይ በይኑ ልኡላዊ ስልጣን`ዩ። ንሕና ንኺመርሓና ኢና ንውከሎን ንልምኖን`ምበር፡ “በዚ ወይ በቲ ጌርካ ምርሓኒ” ኢልና ነቲ መራሒ ኽንመርሖ ኣየድልን`ዩ። ባህግና ዀነ ምርጫና ኸነማልእን ከነኽብርን ክንብል፡ ንልኡላዊ ስልጣኑ ኻብ ምድፋር ክንእደብ ይግባእ። ንዅሉ`ቲ ዚመርሓሉ ኣገባባቱ ዘርዚርናን ተንቲንናን ክንርእዮ`ኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ነዚ ዚስዕብ ክንርእይ ንኽእል ኢና።
1. ቃል እግዚኣብሄር፦ እዚ መምርሒ`ዚ ንዅሉ ሰብ ዝተዋህበ፡ እግዚኣብሄር ኣዘውቲሩ ዚጥቀመሉ ጥበቡ`ዩ። እግዚኣብሄር ኵሉ ቓሉ ብመልክዕ መጽሓፍ ተጠሪዙ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ” ተሰምዩ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍና ኺህልው ዝገበረሉ ምኽንያት ፡ መምርሒና ዀይኑ ምእንቲ ኺመርሓና`ዩ። ነቶም ብቐጥታ ቓሉ ዝነገሮም ኣገልገልቱ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ድማ “ጽሓፍ” እናበለ ይእዝዞም ነበረ (ኤር 36፡2,28)። መለኮታዊ ትእዛዝ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ከም`ዚ ናይ ዘመንና ብርዕን ወረቐትን ኮምፕዩተራትን ኣብ ዘይነበራሉ ዘመነ፡ ተሸጊሮም እናጸሓፉ፡ ነቲ መሪሑ ዓዲ ዜእትወና ቓሉ ኣስፊሮምልና ሓለፉ። ቅድሚ ዅሉ ሰብ፡ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛቱ ብገዛእ ኢዱ ጽሒፉ ብምሃብ ኣርኣያ ዝዀነና`ውን ንሱ ባዕሉ`ዩ (ዘጸ 31፡18፣ 32፡15,16፣34፡1)።
እግዚኣብሄር ግና ቃሉ ኣብ ምሃብ ጥራሕ ከይተደረተ፡ በቲ ዝሃበና ቓል ዜገልግሉና መምህራንን ሰበኽትን ጓሶትን ቀቢኡ ሃበና። ስለ`ዚ ኸኣ ናይ ትምህርትን ስብከትን መደባት እናሰርዐ፡ ነቲ ዚመርሕ ቃል የውሕዘልና ኣሎ። ደው ኢሎም ዚምህሩ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኰፍ ኢሎም ዚጽሕፉ ብቐለምን ብፊደላትን ዚምህሩን ዚመርሑን ኣገልገልቲ`ውን ኣይከልኣናን። እዚ ዅሉ ኣብ`ዛ ብሓጢኣት ዝጸልመተት ዓለም፡ ኣብ`ታ ቐጣን መገዲ ጽድቂ ብጥንቃቐ ተጓዒዝና ናብ መንግስተ ሰማያት ንኽንበጽሕ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ዝገበረልና ናይ ምርሒት ኣገልግሎት`ዩ። ቃል እግዚኣብሄር ንመገድናን ስጕምትናን ኣብ ምምእዛን ዘለዎ መሪሕ ተራ ድማ እቶም ንህይወቶም ብቓሉ ዝመርሑ ቕዱሳን ደጋጊሞም ተኣሚኖምዎ`ዮም (እዮ 23፡10-12፣መዝ 18፡20-22፣19፡7-9፣119፡59,101,103,130,133)።
2. መንፈስ ቅዱስ፦ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ንዘለኣለም ምሳና ኺነብር ዝተዋህበሉ ዕላማ ንኺመርሓናን ንኺድግፈና`ውን`ዩ። ምኽንያቱ ዋላ ንጹር መምርሒ ተዋሂቡና ኽነሱ፡ ንእኡ ኽንትግብረሉ ዘየኽእለና ድኻምነት ኣለና። ስለ`ዚ ነታ ቕንዕቲ መገዲ እና`ርኣየ፡ በታ ቕንዕቲ መገዲ ናይ ምኻድ ዓቕሚ ኺወሃደናን ኪሰኣነናን ከሎ ድማ፡ በቲ ዜኽእል ጸጋኡ እናደገፈ፡ ናብ`ቲ ዝተመደበልና ምዕራፍ ዜብጽሕ፡ ከኣልን እሙንን ኣምላኽ`ዩ። ጐይታና`ውን ኣብ`ቲ ናይ ሓሙስ ምሸት ናይ ፈነዋ ትምህርቱ፦ “እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና . . . ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂ`ውን ኪመርሓኩም`ዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን`ዩ`ሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ`ዩ።” ብምባል ናይ መንፈስ ቅዱስ ናይ መሪሕነት ግደ ኣነጺሩ ኣፍሊጡና ኣሎ (ዮሃ 16፡13,14)። እዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ መሪሕነት`ዚ ነቶም ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዝተወልዱ ኵሎም፡ ናይ ውልድነት መሰሎም`ዩ። ነዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ`ዮም።”’ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሮሜ 8፡14)። ስለ`ዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ መሪሕነት፡ `ንደልይ ምዃንናን ዘይምዃንናን ንርእሱ፡ ናይ ውልድነትና መረጋገጺ`ዩ። እቲ መሪሕነት ምስ ተዋህበና፡ ብግብሪ ንምርሓሉን ዘይንምርሓሉን ምዃንና`ውን ዝዓበየ መርትዖ ውልድነትና`ዩ።
እቲ ምርሒት ኵሉ ጊዜ ምስ ሓጢኣትን ጽድቅን፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽን ፍቓድ ስጋን ዝተተሓሓዘ`ምበር፡ ናይ ምድራዊ መገድን ጐደናን ጒዳይ ኣይኰነን። ነታ ኣብ`ዛ ምድሪ`ዚኣ እንነብራ ማሕበራዊት ናብራና ዝዀነ ይኹን ነገር ከይለወጥና፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ወይ ከኣ ብፍቓድ ስጋና ኽንነብራ ንኽእል ኢና። ብፍቓድ ኣምላኽ ምስ `ንምራሕ፡ እቲ ናብራና ናብ መንፈሳዊ ናይ ጽድቂ ናብራ ይልወጥ። ብፍቓድ ስጋ ምስ ንምራሕ ከኣ፡ ናብራና ናብ ሰይጣናውን እንስሳውን ናይ ሓጢኣት ናብራ ይልወጥ። መንፈሳውያን ሰባት ንኽንከውን ካብ`ቲ ንቡር ማሕበራዊ ንጥፈታት ዝተፈልየ `ንውስኾ ሓድሽ ነገራት የለን። ምናልባት ከም`ኒ ጾምን ጸሎትን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት `ንውስኽ ንኸውን። ነቲ ናብራና መንፈሳዊ ዚገብሮ ግን ንሱ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ጾምን ጸሎትን እና`ዘውተሩ፡ ግን ድማ ሓጥእ ናብራ ዚነብሩ ሰባት ከም ዚበዝሑ ቓል እግዚኣብሄርን ማሕበራዊ ትዕዝብትናን ዜረጋግጾ ሓቂ`ዩ (ኢሳ 1፡10-17፣ ኢሳ 58፡1-12፣ ኤር 7፡8-11,21-26፣ ኣሞ 5፡21-27፣ዘካ 7፡1-14፣ ሚል 1፡6-14፣2፡10-17)። ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ መወዳእታ ኣገዳሲ ዚኸውን፡ ጽድቅን መንፈሳውነትን ኣብ`ቲ ዕለታዊ ማሕበራዊ ናብራና፡ ኣብ ስምዒታትናን ኣተሓሳስባናን ዝርርባትናን ተግባራትናን ኪግለጽ ከሎ`ዩ። ነቲ ስጋዊ ንጥፈታት ብስጋዊ ኣገባብና ናይ ምግባር ዝንባለ ስለ ዜጥቅዓና፡ ብመንፈሳዊ ኣገባብ ንኽንገብሮ መንፈሳዊ ምርሒትን ደገፍን የድልየና፡ዩ። እዚ ኸኣ ካብ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ ዚርከብ`ዩ። መንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ኣባና ኺሓድርን ምሳና ኺነብርን ዘድለየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ`ዩ። ጐይታና፡ “ኣነ እንተ ኸድኩ`ሞ፡ ንመንፈስ ቅዱስ እንተ ሰደድኩልኩም ይሕሸኩም” ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ኣባና ሓዲሩ ኣካል ህይወትና ዀይኑ እንተ መርሓና ኸም ዜሕሸና ስለ ዝፈለጠ`ዩ (ዮሃ 16፡7)።
መንፈስ ቅዱስ፡ ኣባና ሓዲሩ ብኸመይ`ዩ ዚመርሓና፧ መለኮታዊ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብዙሕን ረቂቕን ናይ ምምራሕ ኣገባባት ከም ዘለዎ ርዱእ`ዩ። እቲ ኽንርድኦን ክንጥቀመሉን እንኽእል ኣገባባቱ ግን ተገሊጹልና`ዩ። ጐይታና፡ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚመርሓና ብኸም`ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና`ዩ።
“እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም (ነቲ ኣነ) ዝነገርኩኹም ዘበለ`ውን ኬዘክረኩም`ዩ። . . . እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ፡ . . . ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂ`ውን ኪመርሓኩም`ዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን`ዩ`ሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ`ዩ።” ዮሃ 16፡7,8,12-14
ካብ`ዚ ናይ ጐይታ ቓል ከም `ንርድኦ፡ መንፈስ ቅዱስ ንኣና ንምምራሕ ዚጥቀመሉ መገዲ ምምሃርን ምርታዕን`ዩ ምዝካርን`ዩ።
1. ምምሃርን ምርታዕን፦ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም “ተማሂረ ወዲአ” ዚበሃል ነገር የለን። ዕድመና ምሉእ ተማሂርና ዘይንውድኦ መለኮታዊ ሓቅታት ኣሎ። ምኽንያቱን እግዚኣብሄርን ኵሉ ኣሰራርሓኡን መርሚርካ ኽትበጽሖ ዀነ ተማሂርካ ኽትርድኦ ኣይከኣልን`ዩ። ኣብ`ዚ ጥቕስና ተገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ዋላ ብግህዶን ብዝርዝርን ተነጊሩና ኼብቅዕ፡ ክንርድኦ ዀነ ኽንጾሮ ዘይንኽእል መንፈሳዊ ሓቅታት ኣሎ። ነዚ ሓቅታት`ዚ ናብ ምርዳእን ናብ ምጻርን ዜብጽሓና፡ መንፈስ ቅዱስ`ዩ። ካብ`ቲ እነንብቦን `ንሰምዖን እንርእዮን ኵሉ፡ መንፈሳዊ ብርሃን ከም `ንቐስም እናገበረ፡ ብጸጋ ዀነ ብፍልጠት ከም ንዓብይ ይገብረና። እቲ ዚምህረና ትምህርቲ ድማ ንሓጢኣትን ንጽድቅን ንፍርድን ዚምልከት`ዩ። እቲ ትምህርቲ ኸኣ፡ ብፍልጠት ዜዘቕብብን ዚነፍሕን ዘይኰነስ፡ በቲ ትምህርቲ ተረቲዕና ኸም `ንኣምነሉን ከም `ንነብረሉን ዚገብር`ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ፡ እቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዚመሃር ሰብ፡ ከም`ቲ ዝተማህሮ ዀይኑ ኺነብር ከም ዚኽእል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 2፡20,27)። ከም`ቲ ዝተመሃርናዮን ዝፈለጥናዮን ኴንና ንኸይንነብር ዚዕንቅፈና፡ በቲ ፍልጠትና ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይንርታዕ`ዩ። መንፈስ ቅዱስ ግን ንልቢ ዚረትዕ ሓያል መምህር`ዩ። ኣብ ናይ ስብከትና ትምህርትን ኣገልግሎቶም ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዜገልግሉ ሰባት፡ ልክዕ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ንልቢ`ዮም ዚወግኡን ዚረትዑን፡ ፍሪኦም ድማ ማእለያ የብሉን (ግብ 2፡37,40,41)። እቶም ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ዜገልግሉ ግን የስድዑ`ምበር፡ ኣይረትዑን`ዮም። ፍሪኦም ድማ ነባሪ ኣይኰነን። ነቲ ተራ ማሕበራዊ ንጥፈታትና ብኸመይ ንሓጢኣት ኣወጊድና ብጽድቂ ኸም፡ `ንነብሮ ዜስተምህረናን ዜለማምደናን መንፈስ ቅዱስ`ዩ። ነዛ ምርሒት`ዚኣ ዘይረኸባን፡ ረኺብዋ ኼብቅዕ ዘይተጠቕመላን ሰብ፡ ነታ ሰማያዊት መንግስቲ ኺወርስ ዘይበቅዕ ዓለማዊ ክርስትያን ኰይኑ`ዩ ዚተርፍ።
2. ምዝካር፦ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ኽንፈሽል ካብ ዚገብሩና ሰብኣዊ ድኻማት ሓደ፡ እዚ “ምርሳዕ” ዚብልዎ ኣእምራውን መንፈሳውን ሕማም`ዩ። ገሊኡ ዓይነት ምርሳዕ፡ ካብ ኣእምሮኻ ፈጺሙ ስለ ዝተደምሰሰ እትርስዖ ኪኸውን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግን ጊዝያውን ምርጫውን ምርሳዕ`ዩ። ኣብ`ታ ንምትግባራ እተሰርዓትልካ እዋን ጥራሕ መሪጽካ ምርሳዕ`ዩ። ንምርሳዕ ሓጢኣት ዚገብሮ ኸኣ ንሱ`ዩ። ብዛዕባ ዝወረደካ በደል ብትዕግስትን ብምሕረትን ብፍቕርን ክትዋሳእ ከም ዚግብኣካ ምሉእ ፍልጠት እናሃለወካ፡ ናይ ብሓቂ ምስ ተበደልካ ግን ብቝጥዓን ባእስን ቂምታን ሓዊ ትኣጕድ፡ ንዅሉ ዝምድናታትካ ድማ ተጸልምቶ። ከም`ዚ ዝበለ ምርሳዕ፡ ባዕላዊ ፈቲኻ እትገብሮ ሓጥእ ምርሳዕ`ምበር፡ ባህርያዊ ምርሳዕ ኣይኰነን። ስለ`ዚ ኸኣ`ዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ዘክር፡ ኣይትረስዕ” ብዚብሉ ትእዛዛት መሊኡ ዘሎ (ዘዳ 9፡7 ፣ 15፡15 ፣ 2ነገ 17፡38 ) ናይ መንፈስ ቅዱስ ናይ መሪሕነት ተራ ድማ ኣብ ከም`ዚ ዝበለ ሃዋጺ ዅነታት`ዩ ዚገሃድ። ኣብ ከባቢናን ኣብ ልዕሌናን ሓዊ ኺእጐድ ከሎ፡ “ሰላምን ፍቕርን ትዕግስትን ምሕረትን ትሕትናን እተርእየሉ ጊዜ ሕጂ`ዩ፡ ሃየ ተዓወት፡ ኣኽብረኒ” ኢሉ ኣብ ውሽጢ ልብና የዘኻኽረና፡ ንእኡ እነተግብረሉ ሓይሊ ጸጋ ድማ የውሕዘልና። ናይ ብሓቂ ንመሪሕነቱ `ነኽብር ሓቀኛ ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ነቲ ሓይሊ ጸጋኡ ተጠቒምና ነቲ ዘዘክረና ነገር ንገብር። “ኣይፋለይን፡ ብፍቓድ ስጋይ ደኣ ዝደለኽዎ እገብር” ዚብል ዓሻን ደረቐኛን ምርጫ እንተ`ልዒልና ድማ፡ ነቲ መቕደሱ ዝገበረና ልዑል ኣምላኽ ኣብ ሰብነትናን ኣብ ናብራናን ነዋርዶ። ብኸም`ዚ እናገበልና እንተ ኼድና ድማ ኣበሳና ኪኖ ደረት ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ይሓልፍ`ሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ውርደት ምጻር ስኢንዎ ሓዲጉና ይወጽእ። ከም`ቲ ጐይታ ዝበሎ ድማ ካብ መጀመርታና መወዳእታና ዝገደደ ይኸውን (ማቴ 12፡4,5)። ኣብ ጽንዓት ልብናን ኣብ ትርሪ ልብናን ይሓድገና (መዝ 81፡11,12)። ኣብ ክንዲ “መራሒና” ብኣንጻሩ “ጸላኢና” ኪኸውን ስለ ዝመረጽና፡ ኣንጻርና ዓጢቑ ይዋግኣና (ኢሳ 63፡8-13፣ 1ሳሙ 16፡14-23)።
እቲ ኸም ኣርእስቲ ትምህርትና ተጠቒምናሉ ዘለና ቓል፡ ቅዱስ ዳዊት ዝለመኖ ዝውቱርን ቅቡልን ጸሎት`ዩ። ጸሎቱ ሰሚሩሉ ድማ “እግዚኣብሄር ብኢዱ ሒዙ ይመርሖ ነይሩ” ኽሳዕ ምባል ዜብጽሕ መሪሕነት ኣርኣዮ (1ሳሙ 23፡19-12፣30፡6-8)። ንሱ ድማ ነቲ መሪሕነት ናይ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ይእዘዞን ይጥቀመሉን ነበረ። ንዅሎም ቅዱሳን ዘዐወተ ጥበብ ከኣ ንሱ`ዩ። ንሕና`ውን ካብ`ዛ መኣዝና ዘይፍለጥ ሰይጣናዊት ዓለም ብዓወት ክንሰግር እንተ ዄንና ኣብ ህይወትና ንህላወን መሪሕነትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ብምሉእ ልብና ኽንደልዮ፡ ብምሉእ ልብና ኽንእዘዞን ክንጥቀመሉን ይግብኣና። ኣብ ልዕሊ`ቲ ኣኽቢሩ መቕደሱ ዝገበረና ኣምላኽ ከይንሓጥእን ዘለኣለማዊ መጻኢና ከይነጸልምትን ንጠንቀቕ። ህይወትና ናይ ብሓቂ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ትነብር ከም ዘላ ነረጋግጽ። ምኽንያቱ ካብ ጥፍኣት መዋጽኦና፡ ናብ ክብሪ መእቶና ንሱ በይኑ`ዩ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
15 ሰነ 2025 | ሰነ 8, 2016 ግዕዝ (መበል 40 ሰንበት: ቊ.፵/40) |
||
ምስባክ መዝ. ፶(፶፩)፡፲,፲፩ “ልበ ንጹሐ ፍጥር ሊተ እግዚኦ። መንፈሰ ርቱዓ ሓድስ ውስተ ከርሥየ። ኢትግድፈኒ እምቅድመ ገጽከ።” ዓዲ፡ መዝ.፶(፶፩)፡፲,፲፩ “ወመንፈሰ ቅዱሰ ኢታውፅእ እምላዕሌየ። ዕሥየኒ ፍሥሐ ወአድኅኖተከ። ወበመንፈስ ዓዚዝ አፅንዓኒ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቆሮ 12 : 1 - 13 |
ዲያቆን |
|
1ዮሐ 4 : 1 - 8 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2 : 1 - 18 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሐ 14 : 12 - ፍም |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ወረደ መንፈስ ቅዱስ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ