“ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብ`ዚ ዚዓብይ ፍቕሪ የልቦን። ንስኻትኩም ነዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም፡ ነቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም`የ ‘ኣዕሩለይ’ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን`ዩ`ሞ፡ ደጊም ‘ባሮት’ ኣይብለኩምን`የ።” ዮሃ 15፡13-15
እንሆ`ዚ ዕለት`ዚ ዓስራይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ፡ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ ዘመነ ዕርገት፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ ጾመ ሃዋርያት`ዩ። ነዚ ዕለት`ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተደርሰ መዝሙር-ሰንበት “ዓርገ እግዚኣብሄር በቃለ ቀርን” (እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ዓረገ) ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ነዚ ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ምስባኽ (መዝ 47፡5,6)፡ ከምኡ`ውን ኣብ 1ጴጥ 3፡22፣ማር16፡19፣ኤፌ1፡19-21 መሰረት ገይሩ ዝተደርሰ`ዩ። ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕርገት ዝረኸቦ ኽብሪ ዜጕልሕ መዝሙር`ዩ። ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ናይ መዝ 47፡5,6 ምስባኽ ብዛዕባ ዕርገት ጐይታና ዝተነግረ ትንቢታዊ መዝሙር`ዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኣብ ምድሪ ዝተራእየ፡ ደሓር ድማ ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዝደየበ፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ`ዩ። ብዛዕባ`ቲ ብዕርገቱ ዝረኸቦ ኽብሪ ድማ እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገልጸሎም ቅዱሳን ሃዋርያት ብኸም`ዚ ዚስዕብ ጽሒፎምዎ ኣለው “(ኢየሱስ) ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፡ ንእኡ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ ኣለው።” 1ጴጥ 3፡22
“ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብ`ታ `ትመጽእ (ዓለም`ውን)`ምበር፡ ኣብ`ዛ ዓለም`ዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመይ ዘበለ (ዅሉ) ስምን (ኣርኣሶ)።” ኤፌ 1፡19-21
“. . . ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይ`ቲ ጐይታ ደኣ`ምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ (ዝዀነ)፡ ከም`ዚ ዘመሰለ ሊቀ ካህናት ኣሎና። . . . ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም`ሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ `ትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።” እብ 8፡1,2፣10፡12
“ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም`ሞ ቀልብኹም ኣብ`ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ`ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብ`ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ`ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። (ምኽንያቱ) ሞይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም`ውን ምስ ክርስቶስ ኣብ (የማን) ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ።” ቈሎ 3፡1-3 ካ.ት
ካብ`ዚ ቕዱሳን ሃዋርያት ንዕርገቱን ሰማያዊ ኽብሩን ኣመልኪቶም ገሊጾምዎ ዘለው ምስጢራት ከም `ንግንዘቦ፡ ዕርገትን ጐይታ ናቱ ኽብሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናትና ኽብርን ድሕነትን`ውን`ዩ። ምኽንያቱ ኣካላት ሰብነቱ ስለ ዝገበረና፡ ንሕና`ውን ምስኡ ናብ ሰማያት ዓሪግናን ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥና ኣለና። ቕዱስ ጳውሎስ ኣብ ኤፌ 2፡6፦ ኣካል ሰብነቱ ስለ ዝዀንና “ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኣተንስኣና፡ ብክርስቶስ ገይሩ ኸኣ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ኣቐመጠና።” ብምባል ደጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኤፌ 2፡6 ካ.ት)። ንዕርገቱ ማዕረ ስቕለቱን ትንሳኤኡን ምሉእ ኣድህቦን ክብርን ክንህበሉ ዚግብኣና ምኽንያት`ምበኣር ርዱእ`ዩ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ጊዜ ምጽኣት ብኣካለ-ስጋን ንመንግስተ ሰማያት `ንኣትዋ፡ እቶም ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ኴንና ንዕርገቱ ኣቲና ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥና ዝጸናሕና ጥራሕ ኢና። ኣብኡ ኣቲና ኸም ዘለና ዚረጋገጽ ድማ ኵሉ ቐልብናን ኣእምሮናን ብዛዕባ`ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ጥራሕ ምስ ዜቕልብ፡ ምድራዊ ህይወትናን ናብራናን`ውን ነቲ ሰማያዊ ቦታናን ህላዌናን ዚምጥንን ዚበቅዕን ምስ ዚኸውን`ዩ። ክርስቶስ “ኣዕሩኸይ” ዚብሎም ድማ ነቶም ብሰማያዊ ህልውናኦም ኰነ ብምድራዊ ህልውናኦም ከቶ ዘይፍለይዎ`ዮም። ኣብ`ዚ ዕለት`ዚ ብዛዕባ ምስ ክርስቶስ ኪህልወና ዚግብኦ ዕርክነት ክንመሃር ዘድለየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ`ዩ።
ከም ክርስትያን መጠን ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ናይ ዝምድና ዓይነት እንታይ ይመስል፧ እዚ ናይ ዕርክነት ዝምድናኸ፡ ንኣና ንድኹማት ፍጡራት ዚምጥን ዝምድና ድዩ፧ ፈጣር ኵሉ ዝምድናታት፡ እቲ ፈጣር ኵሉ ኣምላኽ`ምበር፡ ሰብ ኣይኰነን። ይትረፍ ናይ`ቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎናን ዘሎ ዝምድና፡ ናይ`ቲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሰባትን ዘሎ ዝምድታት ፈጣሪ`ውን እግዚኣብሄር ወልድ ባዕሉ`ዩ። ምኽንያቱ ናይ ኵሉ ግብሪ ገባሪ፡ ናይ ኵሉ ስርዓት ሰራዒ ንሱ`ዩ (ዮሃ 1፡3፣1ቈረ8፡6፣ሮሜ11፡36፣ቈሎ1፡16)። ንሰብ ክልተ ኣንጻር ጾታ ገይሩ ስለ ዝፈጠረ፡ ኪዳናዊ ዝምድናን ዝምድና ሰብኣይን ሰበይትን) ሕምነታዊ ዝምድናታትን ተፈጥረ። ኪፋረዩን ኪባዝሑን ከም ዚኽእሉ ገይሩ ስለ ዝፈጠረና። ናይ ወላድን ውሉድን ፡ ከምኡ`ውን ናይ ቀረባን ርሑቕን ዝምድናታት (ሕውነት፡ ኣኮን ሓወቦን፡ ኣሞን ሓብትናን፡ ወዘተ) ተፈጥረ፡። ከምኡ ኢሉ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ቈጺርካ ዘይውዳእ ዝተፈላለየ ዓይነት ዝምድናታት ቈመ።
እግዚኣብሄር ግን ነቲ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘሎ ዝምድናታት ጥራሕ ኣይፈጠረን። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ`ቶም ዝፈጠረና ሰባትን`ውን ብዙሕን ኣገደስትን ዝምድናታት ኣቝሙ`ዩ። እዚ ዝምድናታት`ዚ ኸኣ ኣብ`ቲ ናቱ ባህርያትን ግብርታትን መሰረት ዝገበረ`ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣና ኣምላኽና፡ ፈጣሪና፡ ጐይታና፡ መምህርና፡ ጓሳና፡ መራሒና፡ ንጉስና፡ ሓውና፡ መድሓኒና፡ ሓኪምና፡ መርዓዊና፡ ካህንና፡ ፈራዲና ወዘተ ምዃኑ ቅዱስ ወንጌል ብተደጋጋሚ ገሊጹልና ኣሎ። ብእኡ መጠን ድማ ንሕና ፍጡራቱ (ግብሪ ኢዱ)፡ ህዝቡ፡ ባሮቱ፡ መጓሲኡ፡ ተመሃሮኡ፡ መርዓቱ ወዘተ ኢና ማለት`ዩ። ነዚ ዅሉ ዝምድናታት፡ በብእዋኑ ኣብ ዚለዓል ኣርእስቲ ተናኺፍናዮ ኣለና፡ ኣብ መጻኢ`ውን ክንድህስሶ ኢና። ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ናይ ዮሃ 15፡7-19 ንባብና ድማ ነዚ ምስ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ናይ ዕርክነት ዝምድና ኣብሪሁልና ኣሎ። እዚ ቓል`ዚ ጐይታና ብቐጥታ ንደቀ መዛሙርቱ ዝተዛረቦ ቓል`ዩ። እቲ ንዅላትና ኺብሎ ዚደልይ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ብምባል`ዩ ተዛሪብዎ። ሓደ እዋን፡ ጐይታና ብዛዕባ ምጽኣት ኣመልኪቱ ኼስተምህር ከሎ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “እዚ ምስላ`ዚስ ንኣና ዲኻ `ትምስሎ ዘለኻ ወይ ንዅሉ ኢኻ፧ ኢሊ ሓተቶ (ሉቃ2፡41)። ጐይታና ነዚ ሕቶ`ዚ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣብ`ቲ ናይ ማር13፡33-37 ተመሳሳሊ ንባብ (parallel passage) ተዋሂቡ ኣሎ። ጐይታ ኸኣ መልእኽቱ ኼጠቓልል ከሎ፡ “እዚ ንኣኻትኩም ዝብሎ ዘለኹ፡ ንዅሉ እብሎ ኣለኹ፡ ንቕሑ።” ኢሉ መለሰ (ማር 13፡37)። ስለ`ዚ ነቲ ንሱ ዝጠቐሶ ረቛሒታት ኣማሊኡ ዚነብር ሰብ፡ ዓርኪ ክርስቶስ ናይ ምዃን ክብሪ ተዋሂብዎ ኣሎ። ጸገም ዚፍጠር፡ እቲ ምስ ጐይታና ዘሎና ናይ ዕርክነት ዝምድና፡ በዚ ንሓድሕድና “ዓርከይ፡ መሓዛይ” እንብሎ ዓይነት ጌርና ምስ `ንርእዮ`ዩ። እቲ ንሱ ዝሰርዓልና ናይ ዕርክነት ዝምድና፡ ንዅሉ`ቲ ምስኡ ዘሎና ኻልእ ዝምድናታት ዝሓቘፈን ዜጠቓልልን`ዩ። ብዛዕባ`ቲ ኣምላኽና ፈጣሪና፡ ጐይታና፡ ንጉስና፡ ፈራዲና ወዘተ ዝዀነሉ ዝምድናታት ረሲዕና፡ ብዛዕባ ዕርክነቱ ጥራሕ ክንሓስብ ኣይግባእን`ዩ። ከምኡ እንተ ገበርና፡ ንኽብሪ ናይ`ቲ ንሱ ዘቘሞ ናይ ዕርክነት ዝምድና ኸም ዘየስተውዓልናዮ ዜቃልዓና ድኹም ኣተሓሳስባ`ዩ ዚኸውን። ብኣንጻሩ፡ “ኣነ ድኹም ፍጥረት ከመይ ኢለ`የ ዓርኪ ጐይታ ዝኸውን፧” ብዚብል ኣተሓሳስባ ነቲ ጐይታ ባዕሉ ዝሃበናን ዝነገረናን ናይ ዕርክነት ዝምድና ከም ድፍረት ቈጺርና ብእኡ እንተ ዘይሓሰብናን እንተ ዘይተማእዘንናሉን ከኣ፡ ካልእ ዝመልክዑ ሸራፍን ጐደሎን ኣተሓሳስባ`ዩ ዚኸውን። ጐይታና ንኽንኣምነሉን ክንምርሓሉን ኢሉ`ምበር፡ መጥዓም ዘረባ ኪዀኖ ኢሉ ዝተዛረቦ ኣይኰነን። ነዚ ናይ ዕርክነት ዝምድና ኺዛረበሉ ኸሎ ግን፡ እቲ ናይ ጐይትነቱን ኣምላኽነቱን መኣዛ ዘለዎ ገይሩ ኸም ዝገለጾ ኻብ`ቲ መሪሕ ጥቕስና ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። “ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም ኣዕሩኸይ ኢኹም” ዚብል ኣዘራርባ፡ ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን፡ ናይ ጐይታን ባርያን ናይ ፈጣርን ፍጡርን ቃና ዘለዎ ምዃኑ፡ መግለጺ`ኳ ዘየድልዮ ብሩህ`ዩ። ስለ`ዚ ነቲ ምስኡ ዘሎና ናይ ዕርክነት ዝምድና ኽንሓስብ ከለና፡ ነቲ ተገሊጹ ዘሎ ኻልእ ዝምድናታት`ውን ግቡእ ግምት ምስ `ንህቦ፡ ከም ተራ ናትና ሰብኣዊ ዕርክነት ካብ ምርኣዩ ብእደብ ማለት`ዩ።
ናይ`ዚ ጐይታና ዚዛረበሉ ዘሎ መንፈሳዊ ዕርክነት መሰረት እንታይ`ዩ፧ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝጀመረ ሓድሽ ሓሳብ ድዩ፧ ወይስ ኣብ ብሉይ ኪዳን`ውን ዝተነጽፈ መሰረት ኣለዎ`ዩ፧ ብርግጽ ኣብ ብሉይ ኪዳን እዚ “ዕርክነት” ዚብል ሓሳብ ሰፊሩ ንረኽቦ ኢና። ኣብ ትግርኛና ግን ነቲ “ዓርኪ” ዚብል ቃል ዚትክኡ መለሳ ቓላት ስለ ዘለዉና ከም`ኒ” ብጻይ፡ ፈታዊ፡ ፍቁር፡ መሓዛ” ዝኣመሰሉ ቓላት ተዘውቲሮም ኢና `ንረኸቦም። ብዛዕባ ኣቦና ኣብርሃም እግዚኣብሄር “ኣብርሃም ፈታውየይ” ኢሉ ተኣሚኑ ኣሎ (ኢሳ 41፡8)። ንጉስ ዮሳፋጥ ኪጽልይ ከሎ`ውን “ንዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊኻ” ብምባል ጸለየ (2ዜና 20፡7)። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ናይ ብሉይ ኪዳን ጥቕስታት መሰረት ብምግባር፡ ብዛዕባ ኣቦና ኣብርሃም፡ “ፍቁር ኣምላኽ ተባህለ” ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (ያእ 2፡23)። ኣብ ካልኣይ ትርጕም “ዓርኪ ኣምላኽ ተባህለ” ብምባል ኣስፊርዎ ኣሎ። ሊቀ ነብያት ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ዝነበሮ ናይ ቀረባ ዝርርብ ኪገልጽ ከሎ ኣብ ዘጸ 33፡11፦ “ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዚዛረብ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረቦ።” ዚብል ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብ`ቲ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዝ 45፡6,7 ዝተነግረ ትንቢት፡ ቅዱስ ጳውሎስ`ውን ንእኡ ብምጥቃስ ተርጕምዎን ኣጽኒዕዎን ዘሎ ቓል፡ “ሓለፋ ብጾትካ ዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ” ብምባል፡ ንሰባት ከም ብጾቱ ገይሩ ገሊጹ ኣሎ (እብ 1፡8,9)። ኣብ`ቲ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኣብ ልዕሊ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ክሕደት ኣመልኪቱ ዝተዘርበ ትንቢት`ውን፡ ንሱ ፈታዊኡን መሓዛኡን ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ።
“እወ፡ እቲ ዝእመኖ፡ እንጌራይ ዝበልዐ ፈታውየይ`ኳ ሸዀናኡ ኣልዓለለይ . . . ግናኸ ማዕረዶ መሓዛይ ፈታውየይ`ውን ዝነበረካ ሰብኣይ፡ ንስኻ ኢኻ ዝገበርካዮ።” መዝ41፡9፣55፡13፣ዮሃ13፡8
ጐይታና ነቲ ዝሞተ ኣልኣዛር ንምትንሳእ ኪኸይድ ምስ ተበገሰ፡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ” ብምባል ነቲ ዝምድናኦም ገለጾ (ዮሃ11፡11)።
ናይ`ዚ ጐይታና ዚዛረበሉ መንፈሳዊ ዕርክነት መሰረት እንታይ ምዃኑ ግን ኣብ`ቲ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ሰፊሩልና ኣሎ። ናይ`ዚ ዕርክነት`ዚ መሰረት እዘን ዚስዕባ ኽልተ ረቛሒታት`የን።
1ይ. ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡
2ይ. ነቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ስለ ዘፍለጥኩኹም። ንመሪሕ ጥቕስና ብዕምቈት እንተ ተገንዚብናዮ፡ ኣብ`ዚ መንፈሳዊ ዕርክነት`ዚ ናይ ጐይታ ግደን ናትና ግደን ኣየናይ ምዃኑ ብንጹር ነጊሩና ኣሎ። ንሱ ጥራሕ ዘይኰነ ኸኣ፡ እቲ ናይ ጐይታ ግደ ተፈጺሙስ ድሮ ኣዕሩኹ ገይሩና ኸም ዘሎን፡ ናትና ግደ ተሪፉ ስለ ዘሎ፡ ግዴና ምስ ፈጸምና ኣዕሩኹ ከም `ንኸውንን`ውን ኣነጺሩልና ኣሎ። እምበኣር፡ ነዚ ብጐይታ ተሰሪዑልናን ተዋሂቡና ዘሎ ኽቡር ዕርክነት`ዚ ብምልኣት ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ነዚ ኽልተ ናይ ዕርክነትና መሰረታውያን ነጥብታት በብሓደ ኽንርእየን ኢና።
1 እቲ ድሮ ዝተፈጸመ ግደ ጐይታና፦ ኣብ`ዚ መልእኽቱ`ዚ ጐይታና፡ ክልተ ዓይነት ዝምድናታት ብምግላጽ`ዩ ንመልእኽቱ ኣብሪህዎ ዘሎ። ነዚ ናይ ዕርክነት ዝምድና`ዚ ምስ ናይ ጐይታን ባርያን ዝምድና ኣነጻጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብ ናይ ጐይታና ባርያን ዝምድና፡ እቲ ባርያ እቲ ጐይታ ዚፈልጦ ዅሉ ናይ ምፍላጥ መሰል የብሉን። “ግበሮ” ወይ “ኣይትግበሮ” ዝተባህሎ ምግባር እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ግደን መሰልን ኣይጽበይን፡ ኣይፍቀዶን ከኣ`ዩ። ጐይታ ግና ነቲ ስጋና ብምልባሱ ዝፈጠሮ ዝምድና፡ ካብ ናይ ጐይታን ባርያን ዝምድና ደረጃኡ ክብ ኣቢሉ፡ ናብ ናይ ዕርክነት ዝምድና፡ ኬዕርጎን ኬዕብዮን ብሕያውነቱ ምስ ፈቐደ፡ ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ዝሰምዖ ዅሉ ሓቅታትን ምስጢራቱን ነቶም ባሮቱ ኣፍለጦም። ናይ ባህርይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኵሉ`ቲ ናይ ኣቦኡ ናቱ`ውን`ዩ (ዮሃ 16፡15)። ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ኬኽብር ስለ ዝደለየ ግን፡ ኵሉ`ቲ ዚብሎን ዚገብሮን ናይ ኣቦኡ`ምበር ናቱ ኸም ዘይኰነ፡ ንዅሉ ነገር ካብ ኣቦኡ ከምዝስምዖን ከም ዝረኣዮን ከም ዝተማህሮን ብምግላጽ፡ ብዛዕባ ሓድነት ቅድስት ስላሴ ኣዝዩ ዓብይን ግብራውን ትምህርቲ የስተምህር ነበረ (ዮሃ 17፡8-10,12,14,22 ፣ 5፡19,20,30,36 ፣ 6፡37-41 ፣ 7፡16-18,28,29 ፣ 8፡26-28,38,40,49 ፣ 9፡4 ፣ 10፡25,37,38 ፣ 12፡48-50 ፣ 14፡10-24)። ስለ`ዚ ነቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዝተዘርበን ዝተገብረን ኵሉ ነቲ ባርያ እንተ ተነጊርዎ፡ ካብ ደረጃ ባርነት ዓብዪ ናብ ዕርክነት በጺሑ ኸም ዘሎ ርዱእ`ዩ። ጐይታና ግን እቲ ባሮት ኣምላኽ ምዃን ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፡ ኵሉ`ቲ ናይ ሰማይ መለኮታዊ ምስጢራት ስለ ዝገለጸልና፡ ምስ ጐይታኦም ዕርክነት ዝተዓደሉ ክቡራት ባሮት ገበረና። ኣቦታትና ቅዱሳን ሃዋርያት ነቲ ናይ ጐይታና ናይ ሰማይ ምስክርነት ብምሉኡ ኻብ ኣፉ በእዛኖም ሰሚዖምዎ`ዮም (ዮሃ3፡11,32)። ነቲ ሽዑ ኺጾርዎ ዘይከኣሉ ኸኣ እቲ መንፈስ ሓቂ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ካብ ጐይታ እናወሰዶ ስለ ዝነገሮም እቲ ዕርክነቶም ምልኣት ረኸበ (ዮሃ16፡12-15)።
እቲ ብኣኣቶም ዝጀመረ ዕርክነት፡ በርኣያ ስላሴ ንዝተፈጥረ ዅሉ ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ብክርስቶስ ንዝኣመነ ዅሉ ክርስትያን ኪበጽሖ ስለ ዚግባእ፡ ነቲ ብቐጥታ ኻብ ጐይታ ዝሰምዕዎ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ተሪኾም፡ ነቲ ኻብኡን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዝሰሞዎ ዅሉ ኸኣ ኣብ`ቲ ዝጸሓፍዎ መልእኽታት ዘርዚሮምን ተንቲኖምን ኣስፈርዎ። እቲ ነዚ ናይ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን መልእኽቲ ሰሚዑን ኣሚኑን ዝተቐበሎ`ሞ።፡ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ተተኺሉ ኣባል ስድራ ቤት ኣምላኽ ደቂ ዓዶም ንቕዱሳን ዝዀነ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ንሃዋርያት “ኣዕሩኽ ክርስቶስ” ዝገበረ ናይ ኣቦ ቃል ሰሚዕዎን ፈሊጥዎን ስለ ዘሎ፡ ዓርኪ ክርስቶስ ይኸውን (ኤፌ2፡19,20)። እቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ናይ ዕርክነት ግደ፡ ከም`ቲ ኣብ ሃዋርያት ኣብኡ`ውን ይፍጸም ማለት`ዩ። ብኣንጻሩ፡ ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦ ብክርስቶስ ዝተነግረ፡ ነቲ ካብ ክርስቶስ ጐይታና ድማ ብቕዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ኣቢሉ ናብ ምሉእ ዓለም ዝተዘርግሐ ሰማያዊ ቓል ዘይሰምዖ፡ ዘየንብቦ፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ኣብ ልቡ ዘይዓቝሮን ዘየሕድሮን ክርስትያን ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕያውነቱ ዝዓደለና ኽቡር መንፈሳዊ ዕርክነት ዝነዓቐን ዝተሓሰመን ዓሻ ክርስትያን ይኸውን። ዝዀነ ይኹን ክርስትያን፡ “ዓርኪ ክርስቶስ ክትከውን ትደልይዶ፧ ተባሂሉ እንተ ዚሕተት፡ ኣፉ ኸፊቱ “ኣይደልን`የ” ዚብል ቃል ዜውጽእ ይርከብ`ዩ ኢልካ ኽትኣምን ከቢድ`ዩ። ነቲ ኻብ ኣቦ ዝወሓዘ፡ ብክርስቶስ ዝተነግረ፡ ብሃዋርያት ድማ ኣባና ዝበጽሐ ዅሉ ሰማያዊ ቓል-ሓቂ ንምፍላጥን ንምስማዕን ንምንባብን ዝዀነ ተገዳስነትን ትግሃትን እንተ ዘይኣርእዩ ግን፡ ብኣፉ`ኳ እንተ ዘይበለ፡ “ብግብራዊ መገዲ “ዓርኪ ክርስቶስ ምዃን ንኣይ ዜገድሰኒ ኣይኰነን። ኣይደልን ከኣ`የ” ከም ዝበለ፡ ሰብን እዝግን፡ ጸላእን ፈታውን ዚእመንዎ ሓቂ`ዩ። ኣብ`ቲ ናትና ናይ ዕርክነት ግደ፡ ማለት ኣብ ምእዛዝ፡ እንተ `ንፈሽል፡ ብድኻም ስጋና ኸነመኽንይ ምኸኣልና። ነቲ ብክርስቶስ ድሮ ዝተፈጸመን ዝተዋህበን ውዱእ ግደ ምሕሳም ግን ብዝዀነ መለክዒ ኺምኽነዮ ዘይከኣል ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ፡ ልቦም ናይ ዘትረሩ፡ ንዘይምቕባል ናይ ዝኸነቡ ዓያሱ ሰባት ኣጕል ምርጫ`ዩ።
2. ኪፍጸም ዚግብኦ ግደ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፦ እቲ ናይ ጐይታና ግደ ብምልኣትን ብብቕዓትን ስለ ዝተፈጸመ፡ ነቲ ናትና ግደ ንኽንፍጽም ኣዝዩ ዓብይ ደገፍ ከም ዚዀነና ርዱእ`ዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝዓበየ ኽፋል ናይ ጐይታ፡ እቲ ዝነኣሰ ኽፋል ከኣ ናትና`ዩ። እቲ ዝዓበየ ኽፋል ናይ`ቲ ግደ ድሮ ኸም ዝተፈጸመ እንተ ተበሲርካን እንተ`ረጋጊጽካን፡ ነቲ ዝተረፈ ንእሽቶ ኽፋል ንምፍጻም ዓብይ ባህግን ትብዓትን`ዩ ዚዀነካ። ስለ`ዚ ኸኣ`ዩ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ናይ ዘዳ 30፡11-14 ቃል ጠቒሱ ድሕሪ ምትርጓሙ፡ ኣብ ሮሜ 10፡6-9 ንኽንፍጽሞ ኣተባቢዑና ዘሎ። ምኽንያቱ ጐይታና፡ ናብ`ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ ዕርክነት ኪዳን`ዚ ብኸመይ ከም ንኣትው፡ ኣብ`ዚ ኺዳን`ዚ ናትና ግደ እንታይ ምዃኑን “ንስኻትኩም ነዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም” ብምባል ኣብ`ቲ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣፍሊጡና`ዩ። ንወዲ ሰብ እቲ ዝኸበደን ልዕሊ ዓቕሙን ዝዀነ ነገር፡ ናይ`ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣምላኽ ፍቓድን ትእዛዝን እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ`ያ። ይትረፍ ነቲ ናይ ሰማይ፡ ነዛ ዘለናያ ዓለምና ሕግታታን፡ ነዛ ሰብነትናን ሕግታታን ሕማማታን ኽንፈልጥ ጥራይ`ኳ ኽንደይ መዋእል ወሲዱልና`ሎ፡ ገና`ውን ማንካ ኣየልዓልናሉን ኣለና። እግዚኣብሄር ግን ብሕያውነቱ ተደሪኹ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እናገለጸ፡ ቅዱሳን ነብያት ብዛዕባ ዘይረኣይዎን ዘይነበርዎን ምስጢራት ከም ዚገልጹልና ገበረ። እቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ እቲ ሓደ ናይ ባህርይ ቅዱስ ወዱ ብተዋህዶ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ማእከልና ንዅሉ`ቲ ናይ ሰማይ ምስጢራት ብምግላጽ፡ ምስ ኣምላኽ ብዕርክነት ክንነብረሉ እንኽእል ሰፊሕ ዕድል ሃበና (ማቴ11፡27)። ቅዱስ ጳውሎስ እቲ ዝዓበየ ግድልና ብክርስቶስ ከም ዝተፈትሓልና ብኸም`ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻትኩም ኣዝዩ ዜሸግርን ካባኻትኩም ዝረሓቐን ኣይኰነን። ኣብ ሰማይ ኣይኰነን ዘሎ፡ ስለ`ዚ ‘ናብ ሰማይ ዚድይበልናን ዜምጽኣልናን፡ ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና መን`ዩ፧’ ኣይትበሉ። . . . እቲ ቓል ኣብ ኣፍኩምን ኣብ ልብኹምን ኣዝዩ ቐረባኹም`ዩ ዘሎ፡ ስለ`ዚ ኽትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። . . . እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከም`ዚ ይብል፡ ‘ብልብኻ፡ “ንክርስቶስ ኬውርዶ ናብ ሰማይ ዚድይብ መን`ዩ፧” ኣይትበል። ወይ ከኣ “ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ናብ ሲኦል ዚወርድ መን`ዩ፧” ኣይትበል።’ እንታይ ደኣ ይብል፧ ‘እቲ ቓል፡ ማለት፡ እቲ ንሕና (ሃዋርያት) እንሰብኮ ቓል-እምነት፡ ኣብ ጥቓኻ፡ ማለት ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን`ዩ’ ይብል።” ዘዳ30፡11-14 ካ.ት፣ሮሜ 10፡6-8ካ.ት
ካብ`ዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ኸም `ንርድኦ`ምበኣር እዚ ናይ ኦሪት ዘዳግም ቃል፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተነግረ ትንቢታዊ ቓል`ዩ። ነቲ ሰማያዊ ቓልን ትእዛዝን፡ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብነብያት፡ ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ከኣ ባዕሉ ብገዛእ ልሳኑ ናብ ኣፍናን ናብ ልብናን ዘምጽኣልና፡ ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉ`ዩ (እብ1፡1,2)። ናይ ተኣዝዞናን ናይ ዕርክነትናን መሰረት እንታይ ምዃኑ`ምበኣር፡ እቲ ምስጢር እንሆ ተገሊጹ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ብምእዛዝ ንኣምላኹ ኬኽብሮ ዚኽእል፡ እቲ ኻብ ኣቦ ዝወጸ ሰማያዊ ናይ ህይወት ቃል፡ በቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኢየሱስ፡ ኣብ ኣፉን ኣብ ልቡን ምስ ዚሰፍር`ዩ። እቲ ጽሑፍ ኣነጺሩልና ከም ዘሎ፡ ኣብ ኣፉን ኣብ ልቡን ኪኸውን ዘድለየ፡ ምእንቲ ኺገብሮን ኪእዘዞን ጥራሕ`ዩ። እዚ ተኣዝዞ`ዚ ምስ ዚፍጸም፡ እቲ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ኣብ ምእዛዝ ዝጸንዐ ሰብ፡ “ዓርኪ ኣምላኽ፡ ፈታው ኣምላኽ፡ መሓዛ ኣምላኽ፣ ፍቁር ኣምላኽ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ`ቲ ናይ ዕርክነት መለኮታዊ ኪዳን፡ ነቲ ናቱ ግደ ብምልኣትን ብብቕዓትን ዝፈጸመ ሰብ ይኸውን። ክርስቶስ ጐይታና ካብ ሰማየ ሰማያት ዝወረደን ካብ ቅድስቲ ድንግል ዝተወልደን፡ ናብ`ዛ ናይ ዕርክነት ኪዳን`ዚኣ ምእንቲ ኺጸምደና`ዩ። “ቃል ስጋ ኰነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኣባና ሓደረ” ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ካብ`ቲ ብሰሪ ሓጢኣትና ምስ ኣምላኽ ተጻሊእናዮን ተረሓሒቕናዮን ዝነበርና ኣሰቃቕን ኣስጋእን ሃለዋት፡ ብሞቱ ኣተዓሪቑ ብተኣዝዞ ናይ`ቲ ኣብ ኣፍናን ኣብ ልብናን ዘንበሮ ሰማያዊ ቓል፡ ናቱን ናይ ኣቦኡን ፈተውትን ኣዕሩኽን ምእንቲ ኺገብረና`ዩ (ዮሃ 1፡14)።
ተኣዝዞ ግን ንምንታይ`ዩ ኽሳዕ ክንዲ`ዚ ዓብዪ ግደን ውጽኢትን ኪህልዎ ዝኸኣለ፧ ተኣዝዞ፡ ኣዝዩ ዓብይን ሓያልን ናይ ህላወን ናይ ዝምድናን ምስጢር`ዩ። ንኣምላኽን ንኣናን ከም ድንግል (ቢንቶ) ኰይኑ ዜራኽበናን ብሓደ ጸሚዱ ዜንብረናን ተኣዝዞ`ዩ። ተኣዝዞ ኣብ`ቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ኪዳናዊ ዝምድናታት ወሳኒ ናይ ሰብ ግደን ተግባርን`ዩ። ንሕና ንኣምላኽ ኢልና እንገብሮ፡ ግን ከኣ ምእዛዝ ዘይኰነ ዋላ ሓንቲ ተግባር የለን። እምነት ንርእሳ፡ ምእዛዝ`ያ። ብሓሳባት፡ ብቓላት ይኹን ብተግባር እንፍጽሞ ንእግዚኣብሄር ዜሐጕስ ዅሉ ነገር፡ ምእዛዝ`ዩ። ህይወት ሰብ ብኽልተ ተግባር`ያ `ትግለጽን ትፍረድን። ንሳተን ከኣ ምእዛዝን ዘይምእዛዝን`የን። ተኣዝዞ፡ ንዅሉ`ቲ እግዚኣብሄር ምሳና ዝኣተዎ ኪዳናዊ ዝምድናታት ዜጽንዖ ተግባርና ኪኸውን ከሎ፡ ዘይምእዛዝ ድማ ብኣንጻሩ፡ ንዅሉ ኺዳናዊ ዝምድናታት ዚበትኮን ዜዕንዎን`ዩ። ጐይታና፡ “ዜፍቅረኒ እንተ`ሎ፡ ቃለይ ይሕልው`ዩ፡ እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን`ዩ።” ብምባል ናይ ምእዛዝን ዘይምእዛዝን መልእኽቲ ዀነ ትርጕም እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩልና`ዩ (ዮሃ14፡15,21,23,24)። ቅዱስ ዮሃንስ ከኣ “እቲ ትእዛዛቱ ዚሕልው ድማ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽ`ውን ኣብኡ ይነብር።” ኢሉና`ሎ (1ዮሃ3፡24)። ኣብ ምእዛዝ እንተ ዘየሊና፡ ምስ ኣምላኽ ኣብ ፍቕሪ ዘይኰነስ ኣብ ጽልኢ ተጸሚድና ኣለና። ስለ`ዚ እቲ ፍቕሪ ዝመሰረቱ ኵሉ ኺዳናዊ ዝምድናታትና የለን፡ ፈሪሱ`ሎ ማለት`ዩ። እቲ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ዝተጸየፈ ሰብ ድማ ምስ ድያብሎስ ኣብ ሕማቕ ዕርክነት ተጸሚዱስ፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ካብኡ ይመሃሮ ኸም ዘሎ ርዱእ ሓቂ`ዩ። ዕርክነት-ኣልቦ ህይወት የለን። እቲ ብምእዛዝ ኣብ ዕርክነት ኣምላኽ ዘይተጸምደ ሰብ፡ ፈትዩ ብዘይምእዛዝ ኣብ ዕርክነት ሰይጣን ተቘሪኑ፡ ተኣሲሩ፡ ባርያ ዀይኑ ይነብር ከም ዘሎ ብርግጽ ይፍለጥ። እቶም ኣብ`ዛ ምድራዊት ህይወትና ምስ ሰይጣን ናይ ዘይምእዛዝ ዕርክነት ዝመረጽና ኸኣ፡ ኣብ`ቲ ቐላይ ሓዊ ንዘለኣለም ዚጸንዕ ናይ ስቓይ ዕርክነት ተሰሪዑልና ኣሎ። ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዕሩኹ ኪገብረና ዝደለየ፡ ካብ`ዚ መሪር ስቓይ ዚወልድ ሕማቕ ዕርክነት ኣምሊጥና፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስን ክብርን ዕረፍትን ዝጻማኡ ጥዑይ መንፈሳዊ ዕርክነት ምእንቲ ኽንመርጽ`ዩ።
እምበኣር፡ ግብርናን ዕርክነትናን ንመርምር። ግብርና ተኣዝዞ ጥራይ ምዃኑ፡ ዕርክነትና ድማ ምስ ክርስቶስ ጥራሕ ምዃኑ ነረጋግጽ። ካብ`ዛ ቕድስቲ ናይ ብልህታት ምርጫን ናብራን`ዚኣ ኣይንዀብልል። ነቲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዝመኸረልናን ዝመረጸልናን ዝሰርዓልናን ብተኣዝዞ ዚርከብን ዚጸንዕን ዕርክነት ብፍቕሪ ንቀበሎ ብግብሪ ኸኣ ንንበሮ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
23 ሰነ 2025 | ሰነ 15, 2016 ግዕዝ (መበል 41 ሰንበት: ቊ.፵፩/41) |
||
ምስባክ መዝ.፵፮(፵፯)፡፭-፮ “ዓርገ እግዚአብሔር ባይባቤ። ወእግዚእነ በቃለ ቀርን። ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ።” “ኣምላኽ ብእልልታ፡ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፡ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፡ ዘምሩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ኤፌ 1፡15-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 2፡20-29 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 10፡36-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 15፡7-19 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ዓርገ እግዚአብሔር በቃለ ቀርን |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ