S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክዳን መርዓ ተኸደኑ (መበል 42 ሰንበት: ቊ.፵፪/42, 2025 | 2017 ግዕዝ (2)

 መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። ነቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። . . . ‘(ስለ`) ናብ ቀራና መገድታት (Cross roads) ኪዱ`ሞ፡ ንዝረኸብኩምዎ (ዅሉ) ናብ መርዓ ጸውዑበሎም። እቶም ባሮት ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዅሉ፡ ንሕሱማትን፡ ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልአ። እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርእይ ናብ` ዳስ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረኣየ` ኣታ  ዓርከይ፡ ክዳን መርዓ ኸይተኸደንካ ኸመይ ኢልካ ናብ` ኣተኻ፧በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። ሽዑ` ንጉስ ንገላዉኡ፡ኣእዳውን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽንያት ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን። ጽውዓትሲ ብዙሓት`ዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት`ዮም በሎም” ማቴ 222,9,14

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 18 ኽሳዕ ሰነ 25 ዘሎ ቕንያትዘመነ ኣስተምህሮተባሂሉ ይጽዋዕ። ዘመነ ትንሳኤን ዘመነ ዕርገትን ኣብ ሰነ 17 ዛዚምና ናብ ዘመነ ኣስተምህሮ ኣቲና ኣለና። እዚ ሓጺር ዘመን` ናይ ክልተ ዓበይቲ ዘመናት፡ ዘመነ ትንሳኤን ዘመነ ክረምትን፡ መላግቦ ድንድል`ዩ። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ ክልተ ናይ ኣስተምህሮ ዘመናት` ዘሎና። ቀዳማይን ዝሰፍሐን ዘመነ ኣስተምህሮ፡ እቲ ኻብ ሕዳር 6 ኽሳዕ ታሕሳስ 6 ዘሎ፡ ንሓንሳእ`ውን ክሳዕ ታሕሳስ 12 ዚምጠጥ፡ ዘመን ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ እዚ ዘለናዮ ዘመን`ዩ። እዚ ዘመን` ብዓብዩ ብዛዕባ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣስተምህሮ ኣገልግሎት ንምዝካር ዝተሰርዐ ኪኸውን ከሎ፡ ከምኡ`ውን ነቲ ብቕዱሳን ሃዋርያትን፡ ኣርድእትን ደቀ መዛሙርትን ዝተዋህበ ናይ ምስትምሃር ኣገልግሎት ንምዝካርን ኣርኣያኡ ንምስዓብን ዝተሰርዐ ኣገዳሲ ዘመን`ዩ። ስብከት፡ እምነት ክርስትና ንምስፍሕፋሕን ሰዓብትኻ ንምንቕቓሕን ዝዓለመ ኣገልግሎት ኪኸውን ከሎ፡ ኣስተምህሮ ድማ ንምእመናን ኰነ ንኣገልገልቲ ርድኢቶም ንምስፋሕን ንምዕማቝን፡ ኣንጻር ኵሉ ዚገጥሞም ብድሆታት ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ከም ዚነብሩ ንምግባር ዝዓለመ ኣገልግሎት`ዩ። ኣስተምህሮ ናይ ቤተ ክርስትያን መሰረት እምነት ጽፍፈትን ጽንዓትን ከም ዚህልዎ ዚገብር`ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣስተምህሮን ስብከትን ማዕረ ማዕረ ኸም ዚኸይድ ብምግባር ንቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ንኣገልገልታን ዘይሃስስ ኣርኣያ ሓዲጉ`ዩ። ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፦

ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲ`ውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።” ብምባል መስኪሩልና ኣሎ (ማቴ 423935፣ማር121,39፣ሉቃ431,3213222137) ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ`ውን፡ ነዚ ድሙቕ ኣርኣያ` ሳላ ዝሰዓብዎ፡ ነቲ ኣብ ሃገረ እስራኤል ብጐይታና ዝተዘርአ ቓል ቅዱስ ወንጌል ናብ ኵላ ዓለም ዘርግሕዎ። እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን`ውን ናይ` ርእሳ ዝዀነ ክርስቶስ ኣርኣያ ምስዓብ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ የብላን። ብዘይካ` ኣብ ሰናብትን ኣብ በዓላትን ዚግበር ናይ ስብከት ኣገልግሎት፡ ስሩዕን ቀዋምን ናይ ትምህርቲ መደባት ሰሪዓ፡ ንኣገልገልታ፡ ንማሕበረ ምእመናን ኰነ ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ንዚርከቡ ኵሎም ደቃ ሰፊሕን ዓሚቝን ኣስተምህሮ ናይ ምሃብ ተሓታትነት ዘለዎ ሃዋርያዊ ሓላፍነት ኣብ ዝባና ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያንና ዝመጹ ምእመናና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ልክዕ ከም ጐይታኣን ከም ሃዋርያትን እናዞረት፡ ማለት ኣገልገልታ እናለኣኸት ከተስተምህር ይግብኣ። ካብ ቀጽራን ካብ ኣገልግሎታን ዝረሓቑ ማእለያ ዘይብሎም ብጸጋ ጥምቀት ዝወለደቶም ደቂ ኣለውዋ። ብህላውነት ኣምላኽ ዘይኣምኑ ኣብ ፍጹም ክሕደት ዘለው ሰባት ኣብ ዝበዝሕዋ ዓለም` ተተኺላ ዘላ። ኣብ ኣምልኾ ጣኦትን ኣብ ግጉይ ሃይማኖትን ዚርከብ ህዝቢ`ውን ማእለያ የብሉን። ነዞም ኵሎም ወንጌል ምስባኽ፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ዕዳ`ዩ። ስለ` እናዞሩ ዜገልግሉ መምህራንን ሰበኽትን እናመልመለት፡ ንውንገላ (Evangelism) ናይ ምትጋህ ሃዋርያዊ ሓላፍነት ኣለዋ። ዘመነ ኣስተምህሮ፡ ነዚ ሃዋርያዊ ሓላፍነት` ኼዘኻኽርን ኬነቓቕሕን ኪድርኽን ዝተሰርዓልና ኣገዳሲ ዘመን`ዩ።

ነዛ ናይ ኣስተህሮ ሰንበት`ዚኣ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር፡ናክብር ሰንበት በጽድቅዘርእስቱ`ዩ። እቲ በዚ መዝሙር` ዝተሰርዐ ናይ` ዕለት` ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከኣምስላ መርዓ ዝገበረ ንጉስዘርእስቱ ናይ ማቴ 221-14 ንባብ`ዩ። እዚ ናይ መርዓ ዕድመ` ምስ` ዘለናዮ ዘመነ ኣስተምህሮ ዚሳነይ መልእኽቲ ዘለዎ`ዩ። ናብ መርዓ እንዕደም ብምኽንያት` መርዓ ንዝተዳለወ ናይ ጽቡቕ ምግብን መስተን እንግዶት ንኽንካፈል`ዩ። ናብ` ብኽብሪ ዝተዓደምካሉ መርዓ `ትኸይድ ግን ብፍታውካ ብፍቓድካ ደኣ`ምበር፡ ብግዴታ ኣይኰነን። ኣቦታትናዓዳምን መኽበሪ፡ ኣባይን መሕሰሪኸም ዚብሉ፡ ተዓዲሙ ኼብቅዕ ናብ` ዝተገብረሉ ዕድመ ምኻድ ዝኣበየ ሰብ፡ ነቲ ብኽብሪ ዝዓደሞ ብዓል ውራይ የሕስሮ፡ የዋርዶ፡ ንልቢ` ዓዳሚ ድማ የጕህዮ`ዩ። ኣብ ባህልና` ኸኣ፡ውራይ ግበር`ሞ፡ ፈታዊኻን ጸላኢኻን ክትፈልጥይበሃል`ዩ። ስለ` ውራይን ዕድመን የፈራርድ`ዩ። ኣብ` ዝተጠቕሰ ምስላ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ድማ፡ ናይ` ኣብ ልዕሊኦም ምሉእ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ዕድመ በጺሕዎም ኬብቅዕ፡ ምምጻእ ዚኣብዩ ሰባት ምብዛሖም ዜሕዝን`ዩ። ካብ ምእባይ ሓሊፎም ነቶም ኪዕድምዎም ዝተላእኩ ገላው ናይ` ንጉስ ክሳዕ ምውራድን ምቕታልን ዝበጽሑ ዕዱማት ከኣ`ዮም። እዞም ከም` ዝገበሩ ዕዱማት፡ ነቲ ንጉስ ከቢድ ጽልእን ንዕቀትን ዝነበሮም ዓለወኛታት ምዃኖም ዜርእይ`ዩ። እቲ ጸገም ናይ` ንጉስ ግን ኣብ` ኣይተወድአን። ነቲ ዕድመ ዝተቐበልዎን ዘኽበርዎን ዚመስሉ፡ ግን ከኣ ብኣለባብሳኦም ነቲ ውራይን ነቲ ንጉስን ዘለዎም ንዕቀት ኪገልጹ ዝመጹ ጸላእቲ ኣብ` ዳስ-መርዓ ተረኺቦም ነበሩ። ናብ መርዓስ ብዘይ ክዳን መርዓ ዚኸዱ፡ ልኡም ተቓውሞ ዝመረጹ ሰባት`ዮም። እዞም ከም` ዝበሉ ናይ ውራይ ተሓሰምትን ጸየቕትን፡ እቲ ንጉስ ኣብ መዓልቲ ሓጐሱ ኪጕህይን ኪፈርድን ዚድርኽዎ ሕሱማት ሰባት`ዮም። እቲ ንጉስ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ`ዩ። እቲ ዚምርዖ ወዱ ድማ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ`ዩ። እቶም ኪዕድሙ ዝተላእኩ ገላው ድማ፡ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን`ዮም። እቶም ንልኡኻቱ ዜዋርዱን ዚቐትሉን ዕዱማት ከኣ እቶም ንነብያትን ሃዋርያትን ዘጋፍዑን ዝቐትሉን ኣይሁድ`ዮም። እቶም ክዳን መርዓ ኸይተኸድኑ ናብ መርዓ ዚመጹ ድማ፡ እቶም ነቲ ዝተቐበልዎ ዕድመ ዘይምጥን ህይወት ዘለዎምክርስትያን ህዝቢ”`ዮም። እቲ እንግዶት ድማ ናይ ቃል እግዚኣብሄር ትምህርቲ`ዩ። እምበኣር እዚ ዘመነ ኣስተምህሮ`ዚ፡ ርእስና ብዕቱብ መርሚርና ኣብ` ግብራዊ ምስላ` ኣበየናይ ጉጅለ ኸም `ንምደብ ምእንቲ ኽንፈልጥ`ሞ፡ ንህይወትና ኻብ ጥፍኣት ተበጂና ንኽብሪ ምእንቲ ኸነብቅዓ ዝተሰርዓልና`ዩ።

ጐይታና ነዚ ምስላ` ኺዛረብ ዘገደዶ ምኽንያት እንታይ`ዩ፧ እዛ ናይ ወንጌል ማቴዎስ፡ምስላ መርዓ ዝገበረ ንጉስኣብ` ተመሳሳሊ ንባብ (Parallel Passage) ናይ ሉቃ 1415-24 “ምስላ ዓብይ ድራርብዚብል ኣርእስቲ ሰፊራ ኣላ። ኣብ` ንባብ`ዚኣ ጐይታና ኣብ ሓደ ናይ ምሳሕ ዕድመ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ ነዚ ምስላ` ኸም ዝተዛረበ ተገሊጹልና ኣሎ (ሉቃ 141-15) ኣብ` መኣዲ` ጐይታ ኣዝዩ መሳጥን ሃናጽን ትምህርቲ ይህብ ነበረ። ሓደ ካብ`ቶም መቓምጥቱ በቲ ናይ ጐይታ ትምህርቲ ተመሲጡ ግደ ዀይኑ፡ ንጐይታናእቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ (ሰብ) ብጹእ`ዩ።በሎ። ጐይታና ድማ በዛ ቕንዕቲ ዘረባ`ዚኣ ተደሪኹ፡ ነዚ ነባርን ሃናጽን ምስላ` ተዛረበ። ጐይታና ተዓዲሙሉ ዝነበረ ናይ ምሳሕ እንግዶት፡ ኣብ እንዳ ሓደ ሓለቓ ፈሪሳውያን` ዝነበረ። መብዛሕትኦም`ቶም ኣብ መኣዲ ምስኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዕዱማት ከኣ ፈሪሳውያን ነበሩ። ፈሪሳውያን ከኣ እቶም ኪቐትልዎ ዚደልዩ ቐንዲ ጸላእቱ`ዮም። ከብዶም ዝኣምላኾም፡ ፈተውቲ ርእሶምን ስሱዓትን ስለ ዝነበሩ፡ ናብ ሓደ ውራይ ኪዕደሙ ኸለው፡ ዝበለጸ ናይ ክብሪ መቐመጢ ንምሓዝ ናይ ምቅድዳም ልማድ ነበሮም (ሉቃ 147፣ማቴ 236,7) ነቲ ብክርስቶስ ዝቐረበሎም ናይ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ናይ ወንጌል መኣዲ ግን ኣዝዮም ይጽየፍዎን ይፍንፍንዎን ነበሩ። ከም` ኣቦታቶም ነቶም ናብ መኣዲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዓደምዎም ቅዱሳን ነብያት ዝገፍዕዎን ዝቐተልዎምን፡ ንሳቶም ከኣ ነቲ መርዓዊ ነቲ ወዲ ንጉስ ንክርስቶስ ኪቐትልዎ ልዑል ባህጊ ነበሮም። ጐይታ ድማ ነዚ ባህጎም` ብምስላ ዀነ ብግህዶ ደጋጊሙ ይቐልዖ ነበረ (ማቴ 2133-462329-32፣ሉቃ1333-35፣ዮሃ719,20,25,44837,40,44,59፣ሉቃ11181212429) ከም` ባህጎም ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዝቐተልዎ ንሳቶም`ዮም (ግብ223314,15530) እምበኣር ጐይታና ነዚምስላ መርዓ ዝገበረ ንጉስኪምስሎ ዝደረኾ ዅነታት ነዚ` ዚመስል። ነቶም ዚግብኦም ሰባት፡ ኣብ ግቡእ ናይ ዕድመን መኣድን ጊዜ ብምምሳል፡ ሓያል መልእኽቲ ኣመሓላለፈ።

ንመንግስተ ሰማያትከ ንምንታይ` ብናይ መርዓ ውራይ ኪምስላ መሪጹ፧ ንመንግስተ ሰማያት ብውራይ መርዓ ዝመሰለሉ ምኽንያት፡ ንሱ እቲ ንጉሳ ባዕሉ፡ ሓቀኛ መርዓዊ ስለ ዝዀነ`ዩ። ክርስቶስ ጐይታና ንጉስ ወዲ ንጉስ`ዩ። ዘለኣለማዊ መርዓዊ ኸኣ`ዩ። ጐይታና ባዕሉ፡ መርዓዊ ምዃኑ ባዕሉ ተኣሚኑ`ዩ። ደቀ መዛሙርቲ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ናብ ጐይታና መጺኦምንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም። ደቀ መዛሙርትኻ ግን ኣይጾሙን`ዮምምስ በልዎ።

መርዓዊ ምስኣቶም ከሎዶ ኣዕሩኽ መርዓዊ ኺሓዝኑ (ኪጾሙ) ይኽእሉ`ዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ኻብኣቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ`ያ፡ ሽዑ ኸኣ ኪጾሙ`ዮም። . . .”  ብምባል፡ ንሱ መርዓዊ ምዃኑ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣዕሩኽ መርዓዊ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ (ማቴ 914,15 .) ጐይታና ኣብ` ዝሃቦ መልሲ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓበሬታ ሂቡ ኸም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግባእ። ንሱ ኸኣ ናይ መርዓ ዘመኑ ኻብ` ንሱ ብስጋ ዝተገልጸሉ ዘመን ከም ዚጅምር፡ ካብኣቶም ተፈልዩ (ተወሲዱ) ድሕሪ ምዕራጉ`ውን ገና መርዓዊ ምዃኑ፡ ናይ መርዓ ዘመኑ ኸም ዘይተወድአ`ዩ። እዚ ናይ መርዓ ዘመኑ (ዘመነ መርዓዊ) ክሳዕ መዓስ ምዃኑ ኣብ` ዚስዕብ ዓንቀጻት ኽንምልሶ ኢና። ነዚ ኣገዳሲ ነጥቢ` ግን ከየስተውዓልናዮ ኽንሓልፍ ኣይግባእን`ዩ።

ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ`ውን ክርስቶስ መርዓዊ ምዃኑ ዘረጋገጸልና ነብዪ`ዩ። ደቀ መዛሙርቱ ኵሉ ሰብ ሓዲግዎም ናብ ክርስቶስ ይኸይድ ከም ዘሎ ምስ ተዛረብዎ` ነቲ ዝሃቦም መልሲ ኺዛዝም ከሎ፡

እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ`ዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፡ ብድምጺ ናይ` መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ፡ ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ።”  ብምባል ኣህድኦም (ዮሃ 329) ጐይታና`ውን ብዛዕባ ምጽኣቱ ኼስተምህር ከሎ ኻብ ዝተጠቕመሎም ምስላታት ሓደምስላ ዓሰርተ ደናግልይብሃል (ማቴ 251-13) ኣብ` ምስላ` ንገዛእ ርእሱ ኸም መርዓዊ፡ ነቶም ንምጽኣቱ ተዳልዮም ዚጽበዩ፡ ከም`ተን ሓሙሽተ ለባማት ደናግል፡ ነቶም ዘይተዳለው ድማ ከም`ተን ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል ገይሩ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ` ንሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ዝተገልጸሉ ራእይ፡ እቲ ቕዱስ ገንሸል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ መርዓዊ ምዃኑን ጊዜ ናይ` መርዓኡ ኸም ዝኣኸለን ብኸም` ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ``ሞ፡ ሃሌሉያ!! መርዓ ናይ` ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱ`ውን ተዳልያ``ሞ፡ ንተሓጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። (ነታ መርዓት) ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳን ክትክደን ተዋህባ። እቲ ሻሽ ድማ ጽድቂ ናይ`ቶም ቅዱሳት`ዩ። ንሱ ኸኣ፡እቶም ናብ ድራር መርዓ ናይ` ገንሸል እተዓደሙ ብጹኣን`ዮም፡ጽሓፍ . . . እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቃል ኣምላኽ`በለኒ።ራእ 196-99

ነዚ ጥቕሲ` ምስ` ናይ ማቴ 914,15 ጥቕሲ ኣገናዚብና ምስ `ንርእዮ፡ ናይ መርዓ ጊዜ (ዘመነ መርዓዊ) ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ቐዳማይ ምጽኣቱን (ማለት ልደት ጐይታናን) ካልኣይ ምጽኣቱን ዘሎ ዘመን`ዩ። ናብ` መርዓ` ዝተዓደመ ድማ እቲ ኣብ መንጎ` ኽልተ ምጽኣታት` ኣብ` ምድሪ`ዚኣ ብህይወት ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ዓለም`ዩ። መርዓቱ ድማ እታ ኣብ ምልእቲ ዓለም ተዘርጊሓ ዘላ ኣጽናፋዊት ወይ ኣድማሳዊት (Universal) ቤተ ክርስትያን። እዛ ቤተ ክርስትያን`ዚኣ በቲ ብክርስቶስ ኣሚኑ ብምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነ ሓቀኛ ክርስትያን ዝቖመት` (ኤፌ 522,23,29,30፣ቈሎ 124፣ኤፈ 122,231ቈረ 6151227፣ሮሜ 124,5)

ስለ` እዚ ጐይታና ዝነገረና ምስላ፡ ነዚ ዘለናዮት ዘመንን ናብራን ብትኽክል ዚገልጾ ምስላ`ዩ። ካብ` ብስጋዊ ልደቱ ዘመነ መርዓዊ ዝጀመረላ ዕለት ንደሓር ዝተወልደን ኣብ` ምድሪ`ዚኣ ዝነበረን ኵሉ ሰብ፡ ናይ` መርዓ ዕዱም`ዩ። ነዚ ናይ ዕድመ ዘመኑ ብብቕዓት እንተ ነቢርዎ ኸኣ፡ ኣካል ናይ` መርዓት`ዩ። ስለ` ኣብ ዘመነ መርዓዊ ተወሊድና ኣብ ዘመነ መርዓዊ እንመውት ስለ ዝዀንና፡ ኵሉ ዘመንና ናይ መርዓ ናብራ`ዩ። ጐይታና ድማ በዚ ምኽንያት`` ነዚ ምስላ መርዓ ዝመሰለልና።

እቲ ዕድመ መርዓ ብመንን መዓስን ብኸመይን` ዚበጽሓና፧ ኣብ` ምስላ ኸም ዝረኣናዮ፡ ነቶም ብስሞም ናይ ክብሪ ዕድመ ዝተገብረሎም ኰነ ነቶም ካብ ጐደናታትን ካብ ቀራና መገድታትን ዝተዓደሙ ዝጸውዕዎም፡ እቶም ገላው (ባሮት፡ ኣገልገልቲ) ናይ` ዓዳሚ ንጉስ`ዮም። እግዚኣብሄር ድማ ናብ መርዓ ናይ` ገንሸል ኣምላኽ ኰይኑ ንህዝቡ ኼድሕን ዝወፈዮ ቅዱስ ወዱ ኽንመጽእ ብኣገልገልቱ ገይሩ` ዚዕድመና። ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ብነብያትን ካህናትን ገይሩ ዓዲሙ። ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ድማ በቲ መርዓዊ ወዱ ገይሩ ዓዲሙ፡ እቲ መርዓዊ ድማ ሃዋርያትን ኣርድእትን ሓርዩ፡ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ኪዕድምዎ ለኣኾም። ምድራዊ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ኺዓርግ ምስ ተዳለወ ድማ ክሳዕ ምጽኣቱ ዚሰርሕ ናይ ምዕዳም ተልእኾ ሃቦም። (ማቴ 2819,20፣ማር1615) ንሳቶም ድማ ሕድሮም ኣኽቢሮም፡ ነቲ ዕድመ ኽሳዕ ወሰን ዓለም ኣብጽሕዎ (ማቴ 28:20; 1ጢሞ 3:2; 4:11; 6:2; 2ጢሞ 2:25.)

ሕጂ ድማ በቶም መንበርን ኣገልግሎትን ናይ ሃዋርያ ዝተቐበሉ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ቕዱሳት ጽሑፋትን ገይሩ ይዕድመና ኣሎ። ኣብ` እንሰምዖ ስብከት ኰነ ኣብ` እነንብቦ ጽሑፍ፡ናብ መርዓ ንዓዚብል ቀጥታዊ ጻውዒት ከይህልው ይኽእል`ዩ። ነቶም ድሮ ናብ` ዳስ ዝኣተና ክርስትያን ህዝቢ፡ንዓዚብል ዕድመ ኪቐርበልና ኣየድልይን ይኸውን። ነቲ ተጸንቢርናዮ ዘሎና ኽቡር መርዓ ዘይምጥን ኣለባብሳን ንጽህናን ከይህልወና ግን ዘየቋርጽ መልእኽቲ የድልየና`ዩ። ነዚ መልእኽቲ` ዜቕርቡልና ድማ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን`ዮም። እዚ  ዕድመ ናይ ምቕራብ ኣገልግሎት ግን ኣብ` ዳስ ናይ` መርዓ ዝዀነ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ኣይኰነን ዚቐርብ። ምኽንያቱ ካብ`ቶም ኣብ ውሽጢ ቐጽሪ ዘለዉ ሰባት፡ እቶም ናብ` መርዓ ዘይመጹ ኣብ ጐደናታትን ኣደባባያትን ናይ ህይወት ኰለል ዚብሉ ዘለው ሰባት ይበዝሑ። ስለ` ኸኣ ከም` ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተገሊጹ ዘሎ፡ ናብ ጐደናታትን ኣደባባያትን ኣባይትን ወጺእካ፡ ብመንፈሳዊ ህይወቶም ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕውራትን ዝዀኑ ሰባት ናብ` መርዓ ናይ ምዕዳም ሓላፍነት ኣብ ዝባን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ኣሎ። እቲ ንጉስ ነቲ ጊልያኢ ክልተ ኣገደስትን ግድነታውያንን ተግባራት ኣዚዝዎ ኣሎ። እታ ሓንቲቀልጥፍእትብል`ያ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ብኸንቱ ዝሓለፈት ጊዜ ናይ ኣሽሓት ህይወት ትበልዕን ተጥፍእን ኣላ። እታ ኻልይቲ ድማ፡ መንግስትዪ ኣምላኽ (እታ ዳስ መርዓ) ስለ ዘይትመልእ፡ ገና ብዙሕ ስፍራ ስለ ዘለዋ፡ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ኪኣትዉ ተጋደሎምዚብል`ዩ።ኣይገበረን፡ ኣይዓደመንንኸይንብሃል ጥራሕ፡ናብ መርዓ ናይ` ገንሸል ንዑኢልካኣብዩኒምባል ዘይኰነስ፡ ብጽዑቕ ጸሎትን ብተደጋጋሚ ጻዕርን፡ ተልእኾኻ ምፍጻም ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ` መርዓ ንጉስ ዘይምርካብ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘለዎ እዚ ወርቃዊ ምስላ` ኣነጺሩልና ኣሎ።

ሕራይ፡ እቶም ተዓዲሞም ዝኣበዩስ ይቀጽዑ፡ እቶም ዕድመ ኣኽቢሮም ዝተረኽቡኸ ንምንታይ`ዮም ዚቕጽዒ፧ እቶም ዕዱማት ኪለብስዎ ዚግባእ ክዳን መርዓኸ ከመይ ዝበለ`ዩ፧ ጐይታና ነዚ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ጒዳይ ብውራይ መርዓ ኺምስሎ ካብ ዝመረጸሉ ምኽንያታት ሓደ፡ ናይ መርዓ ውራይ ኣዝዩ ዝውቱርን ፍሉጥን ስለ ዝዀነ፡ ብቐሊሉ ኺርድኣናን ከነስተውዕሎን ኢሉ`ዩ። ኣብ ባህልና፡ ንሓደ ሰብ ናብ መርዓና ብኽብሪ ዓዲምናዮ ኸነብቅዕ ከይመጸ እንተ ተሪፉ ኸመይ ከም ዜጕህየና፡ ኣቐዲምና ጠቒስናዮ ኣለና። ዋላ መጺኡ ኼብቅዕ በጃ-ኽዳን (ኮምፕላስዮነ-overall) ወይ ከኣ ክዳን ለይቲ (ፒጃማ) ተኸዲኑ እንተ ዚመጽእከ እንታይ ምተሰምዓና እንታይከ ምበልና፧ኢልና ንሕሰብ። ኣብ` ናይ ሓንቲ መዓልቲ ምድራዊ ናይ መርዓ ጽምብል ከምኡ ምግባር ዘይጽቡቕ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ` ምሉእ ዕድመ ዚወስድ ሰማያዊ ናይ መርዓ ጽምብላዊ ናብራኸ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ክፉእ ኪኸውን`ዩ፧ እምበኣር ከም` ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ እታ ብኻልኣይ ምጽኣቱ እትገሃድ መዓልቲ መርዓኡ ኽሳዕ እትመጽእ ወይ`ውን ዕለተ ሞትና ኣኺሉ ኻብ` ምድሪ ክሳዕ እንፋነው ዘሎ ጊዜ፡ ነዛ መርዓ`ዚኣ ዚምጥን ልብሲ ኽንለብስ ተኣዚዝና ኣለና።

እቲ ኣብ` ናይ ዘመነ-መርዓዊ ዕድመና ኽንለብሶ ዝተኣዘዝና ልብሲ እንታይ ምዃኑ ድማ ቅዱስ ወንጌል ገሊጹልና`ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ልብሲ` ኣመልኪቱ ደጋጊሙ ጽሒፉልና ኣሎ።

ለይቲ ሓሊፉ፡ መዓልቲ ቐሪባ``ሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። . . . ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ`ምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።

ኣብ` ሃዋርያዊ ቓል`ዚ፡ ክልተ ኣገዳስቲ ሓሳባት ኣዛሚዱ ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ኽንለብሶ ዚግብኣ ልብሲ፡ ባዕሉ ክርስቶስ`ዩ። ስለ` ክንለብሶ ትጽቢት ዚግበረልና ናይ ዓለባ ልብሲ ኣይኰነን። እዚ ኣገላልጻ` ትርጕም ዜድልዮ ምስጢረ-ሓዘል ኣዘራርባ`ዩ።ንክርስቶስ ልበስዎማለትንክርስቶስ ምሰልዎማለት`ዩ። ከምኡ ማለት ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ከም` ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።ብምባል ንዅላትና ኣዘዘና (1ቈረ 111 .ት፣416፣ፊል3172ተሰ37-9 .) ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ` መልእኽቱ`ዚ፡ንኣይ ምሰሉዝበለ፡ ርእሱ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ክርስቶስን ኣእትዩ፡ ንርእሱ ኪሰብኽ ኣይኰነን (2ቈረ451ቈረ35-7) ኣገላልጻኡከም` ኣነ ንክርስቶስ ዝመሰልክዎ፡ ንስኻትኩም ከኣ ከማይ ንክርስቶስ ምሰልዎንምባል`ምበር፡ ንርእሱ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ተኪኡ ዝበሎ ቓል ኣይኰነን። ብምስጢረ ጥምቀት ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዝዀንና፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ዚመስል ህይወት ምእንቲ ኺህልወናን ብኸምኡ ምእንቲ ኽንነብርን`ዩ። ስለ` ኣብ` ናይ ዘመነ መርዓዊ ናብራና፡ ንእኡ ነቲ መርዓዊ መሲልና ንእኡ ለቢስና ኽንነብር` በቲ ንጉስ ነገስታት ዝዀነ ኣምላኽ ዕድመ ዚቐርበልና ዘሎ። ካብ ኣምላኽ ብምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ካልኣይ ልደት ዝረኸብናሉ ክርስትያን ዝዀንናሉን ዕላማ ኸኣ ንሱ`ዩ። ነቶም (ቅድሚ ምፍጣር ዓለም) ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፡ (ክርስቶስ) ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ሮሜ 829

ንእኡ ምእንቲ ኽንመስል`ዩ፡ ንሱ ድማ ንኣና መሲሉ ፍጹም ሰብ ዝዀነ (እብ 211,17) ኣብ` ምድራዊት ህይወትና ንእኡ እንተ መሰልና፡ ካብ ምጽኣቱ ንደሓር ኣብ ዘሎ ዘለኣለማዊ ዘመን ድማ፡ ብስጋ ዀነ ብመንፈስ ንእኡ መሲልና፡ ከም ጸሓይ ደሚቕና ብኽብርን ብሓጐስን ክንነብር ኢና (ፊል 3211ቈረ1547,49፣ማቴ13421ዮሃ31-3)

ኣብ` ምድራዊት ህይወትና ናይ ብሓቂ ንክርስቶስ ከም ዝለበስናዮን ከም ዝመሰልናዮን፡ ክዳን መርዓ ብርግጽ ከም ዝተኸደንና ብኸመይ ኢና `ንፈልጥ፧ ኣብ` ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ናይ ሮሜ 1312 ጥቕሲ፡ ግብሪ ጸልማት ደርቢና ግብሪ ብርሃን ክንለብስ ኣጽዋር ብርሃን ክንዓጥቕ ተነጊሩና ኣሎ።ግብሪ ጸልማትዚበሃል ዘሎ ሓጢኣት` ግብርን ኣጽዋርን ናይ ብርሃን ዚብሃል ዘሎ ኸኣ ግብሪ ጽድቂ`ዩ። ኣብ ተደጋጋሚ ጥቕስታት`ውን እቲ ኽንለብሶን ኪንዕጠቖን ዚግብኣና ግብሪ ብርሃን ተገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 613-18፣ቈሎ312,141ተሰ58) ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ሕያውነት፡ ተስፋ፡ እምነት፡ ልግሲ ወዘተ፡ ናይ ክርስትያን መንፈሳዊ ልብሲ`ዩ። ኣቦና እዮብንጽድቂ ለቢሰያ፡ ንሳውን ለቢሳትኒ፡ ንፍትሒ ድማ (ከም ባርኖስን ዘውድን ለበስክዋ)” ኢሉ ግብራዊ ኣብነት ሂቡና ኣሎ (እዮ 2914 .+.) እግዚኣብሄር ድሕነትና ጽድቅን ዜብልስ ኣምላኽ` (ኢሳ 110፣መዝ1329,16) ክርስቶስ ድማ ነዚ ኼልብሰና` ፍጹም ሰብ ኰይኑ ናባና ዝመጸ። ነዚ ብሞቱን ትንሳኤኡን ዘልበስና ልብሲ ምድሓን`ዚ፡ ብንጽህና ኽንሕልዎን፡ ዕርቃን ሓጢኣትና ኸይቅላዕ ድማ ልብሲ ምድሓንና ብኣገባብ ክንእርንቦ`ውን ተኣዚዝና ኣለና (ራእ 16152214) እቶም ክዳውንቶም ከይጸየቑ ብንጽህና ዝሓለዉ፡ ኣብ ዝተጸየቖም እዋን ድማ ብደም ናይ` ገንሸል ሓጺቦም ዘጻዕደው ዕዱማት፡ብቑዓት`ዮም`ሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ምሳይ (ምስ` መርዓዊ) ኪመላለሱ`ዮምተባሂሉሎም ኣሎ (ራእ 34,579,10,13-17) እቲ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ከኣ፡ ጽድቂ ናይ`ቶም ቅዱሳት ምዃኑ`ውን ተነጊሩና ኣሎ (ራእ 198)

እምበኣር ኵላትና ኣብ` ብረቂቕ ምስጢራት ዝተመልአ መርዓ ናይ` ገንሸል ዕዱማት ኢና። ካብኡ ሓሊፍና`ውን ናይ` መርዓዊ ክርስቶስን ናይ` መርዓት ቤተ ክርስትያን ኣካላት ኢና። ስለ` ነቲ ተዋሂቡና ዘሎ ኽብርን መንነትን ዚበቅዕ ክዳን መርዓ ተኸዲንና ኸም ዘለና ነረጋግጽ። ነቲ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ናይ ምድሓንን ናይ ጽድቅን መንፈሳዊ ልብስና ንኣርንብን ብንጽህና ንዓቅብን። ኣብ መርዓ ናይ` ገንሸል፡ ነቲ ገንሸል መሲልካ ጥራሕ` ዚንበር። ስለ` ንክርስቶስ ንልበሶ`ሞ፡ ንምሰሎ። ዘይተገብኣናን ዘይናትናን ጓና መልክዕ ኣይንልበስ። ነቲ ናይ ውርደት ስጋና ለቢሱ ንኣና ዝመሰለና ኽቡር መርዓውን ቅዱስ ገንሸል ደኣ ንምሰል!!

 ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

30 ሰነ 2025 | ሰነ 22, 2016 ግዕዝ (መበል 42 ሰንበት: ቊ.፵፪/42)

ምስባክ

መዝ፹፭(፹፮)፡፭-፮

“አንተሰ እግዚኦ መሐሪ ወመስተሣህል። ርኁቀ መዓት ወብዙኀ ምሕረት ወጻድቅ። ነጽር ላዕሌየ ወተሣሃለኒ።”

“ዎ እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፡ ናባኻ ዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ’ሞ፡ ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 2፡1-12

ዲያቆን

3ዮሃ 1፡1-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 14፡20-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ማቴ 22፡1-14

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ መዝሙር፦ ናክብር ሰንበቶ በጽድቅ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div