“ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዘለዎ (ኽነሱ)፡ ሓዉ ተሸጊሩ ኸም ዘሎ እናረኣዮ እንተ ዘይደንገጸሉ (‘ሞ እንተ ዘይረድኦ) ከመይ ኢሉ ‘ንኣምላኽ አፍቅር’የ’ ኺብል ይኽእል፡ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን’ምበር ብቓልን ብልሳንን (ጥራሕ) ኣይንፋቐር።” 1ዮሃ 3፡17,18 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሓምሻይ ሰንበት’ዩ። ቅዱስ ያሬድ ነዚ ዕለት’ዚ ዝሰርዖ መዝሙር-ሰንበት ከኣ፡ “አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት (ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት ኣርኣየ)” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ፡ እቲ ንጉስ ነገስታትን ጐይታ ጐይቶትን ዝዀነ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣኑ ኸም ዘርኣየ፡ ንእኡ ሊቃነ-መላእኽቲ ኸም ዜመስግንዎን ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሃት ከም ዚሰግዱን ይገልጽ። ቀጺሉ ድማ፡ ጐይታና ንኣይሁድ ‘ከም ከታሪ ኽትሕዙኒዶ ኣስያፍ ሒዝኩም መጻእኩም፧’ ኢሉ ኸም ዝተዛረቦም ድሕሪ ምግላጽ ብዛዕባ ትዕግስቱ “ኣየ ትዕግስቲ” ኢሉ የድንቕ። ብናትና ፍቕሪ ኽሳዕ ሞት ከም ዝበጽሓ፡ ስለ’ዚ ንሕና ብሓጐስ፡ ናይ ቅድስቲ ፋሲካ በዓልና ኸነብዕል ይዕድም። ክርስቶስ ገባር ህይወት (ፈጣር ህይወት) ከም ዝዀነ፡ ገሊጹ፡ “ንዑ ናብ’ቲ ንጉስ ሰላም ዝዀነ ክርስቶስ፡ ናብ’ቲ ዝሰቐልዎ ኢየሱስ ንኺድ” እናበለ ይጽውዕ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ብነብዪ ዘካርያስ ብሰላሳ ቕርሲ ብሩር ከም ዚሽየጥ ዝተነግረሉ ጐይታ፡ ትንሳኤ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ከም ዝገበረ ብምግላጽ ይውድእ (ዘካ 11፡12,13)።
እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ናይ ዮሃ 21፡15-25 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ነቶም ናብ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ሞያኦም ዝተመልሱ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተገሊጹ ተኣምር ከም ዝገበረሎምን ናብ’ቲ ኣባጊዕ መጓሰኡ ናይ ምምጋብን ምሕላውን ሃዋርያዊ ኣገልግሎቶም ከም ዝመለሶም ዚትርኸልና’ዩ። ንቕዱስ ጴጥሮስ፡ ርእሰ ሃዋርያት፡ ፈልዩ ብስሙ ብምጽዋዕ፡ ካብ’ቶም ምስኡ ዘለዉ ብጾቱ ኣብሊጹ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። ነዚ ሕቶ’ዚ ሰለስተ ጊዜ ደጋጊሙ ምስ ሓተቶ፡ እቲ ናይ ክሕደት ተመክሮ ስለ ዝተዘከሮ ጐሃየ። ምኽንያቱ ንክርስቶስ ህይወቱ በጃ ኽሳዕ ምሃብ ከም ዜፍቅሮ ተዛሪቡ ኼብቅዕ፡ ብኣንጻሩ “ነዚ ሰብኣይ’ዚ ኣይፈልጦን’የ” ኽሳዕ ምባል ስለ ዝኸሓደ፡ ብዛዕባ’ቲ ዚቐርበሉ ዘሎ ሕቶ ኺስከፍን ኪጒህይን ባህርያዊ ግብረ መልሲ’ዩ። ከም’ቲ ናይ ዝቐደመ ጌጋኡ ግን ኣብ ውሳኔኡ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ናይ ጐይታ ፈላጥ-ኵሉ ባህርይ ኪውከል መረጸ። “እወ፡ ካብኣቶም ኣብሊጻ አፍቅረካ’የ” ምባል ገዲፉ፡ “እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣለኻ” ኢሉ መለሰ። ኣብ’ቲ ከቢድ ናብ ፈተና እዋን፡ ነቲ ኣጽኒዑ ብቓልን ልሳንን ዝገለጾ ፍቕሩ፡ ኣብ ጊዜ ፈተና ብግብርን ብሓቅን ኣብ ምግላጽ ግን ኣይተዓወተን። እዛ ድኻም’ዚኣ ድማ፡ ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ብኣካል ተገሊጹ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ ምስ ሓተቶ፡ መልሲ ንምሃብ ምሉእ ትብዓት ከየርእይ ዓንቀፎ። እዚ ታሪኽ’ዚ ንኣና ኣዝዩ ዓብይ ትምህርቲ ዜቕስመና’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ’ዛ ምድራዊት ዕድመና፡ ንኣምላኽ ኰነ ንሰብ ዘሎና ፍቕሪ ብግብርና ብሓቅን ኣብ ምግላጽ ንዕወት እንተ ዘየሊና፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብዛዕባ ፍቕርና ጸብጻብ ክንህብ ክንሕተት ከለና፡ ትብዓት ክንስእን ኢና። ነዚ ድኻምና’ዚ ኣብ’ቲ ውዱእ ናይ ፍርዲ ሰዓት፡ ከም’ዚ ቕዱስ ጴጥሮስ ዝረኸቦ፡ ናይ ንስሓ ዕድል ኣይክንረኽበሉን ስለ ዝዀንና፡ እታ ዝርካባ ፍቕርና ካብ ብቓልን ልሳንን ሕልፍ ኢላ፡ ብግብርና ብሓቅን ትግለጽ ምህላዋ፡ ሚእቲ ሚእትዊት (100%) ርግጸኛታት ክንከውን ናይ ግድን’ዩ። እግዚኣብሄር ናይ’ቶም ክቡራት ቅዱሳኑ ድኻም ብኸም’ዚ ተሰኒዱን ተሓቲሙን ኣብ ኣእዳውና ኸም ዚበጽሕ ዝገበረ፡ ንኣታቶም ኬሳጥሖምን ኬካፍኦምን ደልዩ ዘይኰነስ፡ ንሕና ኻብ’ቲ ተመክሮኦም ተማሂርና ምእንቲ ኽንልብመሉ’ዩ (ሮሜ 15፡4 ፣ 1ቈረ 10፡11)።
እግዚኣብሄርን ቅቡኣት ኣገልገልቱን ንምንታይ’ዮም ብዛዕባ ፍቕሪ ብኣጽንዖትን ብተደጋጋምን ዚዛረቡ፡ ዋላ ምስ ኵሉ’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ምስ ገሊኦም ሰባት ፍቕሪ ዘይብልካ ምዃን ንቡር ተርእዮዶ ኣይኰነን፧ ንቡርን ባህርያውን ትዕድልትናስ፡ ፍቕሪ’ምበር፡ ጽልእን ባእስን ኣይኰነን። ቅዱስ ወንጌል ከም ዜረጋግጸልና፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ፈጣሪና ኣምላኽ፡ ፍቕሪ’ዩ። “ፈቃር’ዩ” ዘይኰነስ፡ “ፍቕሪ’ዩ” ይብሃል ከም ዘሎ ነስተውዕል (1ዮሃ 4፡8,16)። ንኣና ንደቂ ሰባት ኪፈጥረና ኸሎ ድማ ብመልክዑን ብምስሉን’ዩ ፈጢሩና (ዘፍ 1፡26,27)። እዚ ማለት ከኣ፡ ንዅሉ’ቲ ንሰብ ዚምጥኖ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርዩ፡ ኣካል ባህርይናን መንነትናን ገይሩ’ዩ ፈጢሩና ማለት’ዩ። ካብ’ቲ ብሕያውነቱ ዝዓደለና፡ ተወራሲ ባህርያቱ እታ ቐዳመይትን ዝዓበየትን ባህርይ ከኣ ፍቕሪ’ያ። ጽልእን ባእስን ምስ ሰይጣን ተመሓዚና ዘጥረናዮ ድቓላ ባህርይ’ምበር፡ ናይ’ቲ ፈጣሪናን ኣቦናን ዝዀነ ኣምላኽ ባህርይ ኣይኰነን። ብሓጢኣት ኣዚና ኻብ ምብልሻውናን ካብ ምምራዝናን ዝተላዕለ ግን፡ ፍቕሪ ዕድመ ዘይብሉ ሳሕቲ ዚዝውተር ዘይንቡር ባህርይ፡ ጽልኢ ግን ብዓል ነዊሕ ዕድመ ምስ ሓዘ ዘይለቅቕ ንቡር ባህርይ ከም ዝዀነ ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ዘጽደቕናዮ ባህርይና ዀይኑ ኣሎ። እዚ ኣባህላ’ዚ ምግናን ዝተሓወሶ ዀይኑ ይሰምዓና ይኸውን። ከምኡ ኸም ዘይኰነ ግን ልብናን ዕለታዊ ተመክሮናን ዜረጋግጾ ሓቂ’ዩ። ንፍቕሪ ዚዕንቅፍ ገለ በደላት ኪኽሰት ከሎ፡ “እሞ ነዚ ፍቕርና ደኣ ኸመይ ገይረ ኸፍርሶ፧” ብምባል ንፍቕሪ ኺሕልዎን ኬጽንዓን ዚጋደል ዳርጋ የለን ኪበሃል ይከኣል’ዩ። ንጽልኢ ኣርሒቕካ ዕርቅን ፍቕርን ናይ ምስፋን ፈተነን ጻዕርን ኪግበር ከሎ ግና ሰባት ጽልኦምን ቂምታኦምን ንዘይምሕዳግ ዚገብርዎ ገድልን ዜርእይዎ ጽንዓትን ክትርእይ ከለኻ ግን፡ “ጽልኢ ንቡር’ዩ፡ ፍቕሪ ግና ነውሪ’ዩ” ናብ ዚብል ሰይጣናዊ መደምደምታ ኣይተበጽሐን ኬብለና ይኽእልዶ፧ “ፍቕሪ ኣሎ” ኺበሃል እንተ ዀይኑ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። እቲ ዝርካቡ ድማ ባህርያዊ ፍቕሪ’ምበር፡ ከም’ቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ መንፈሳዊ ወይ እምነታዊ ፍቕሪ ኣይኰነን፡ ናይ ሓንቲ መዓልቲ በደል ኪዕገስ ዘይክእል፡ ብቐሊሉ ዚፈርስ ሰንኮፍ ህንጻ’ዩ። ፍቕርና ኻብ ንፍቕሪ ኣምላኽ፡ ንፍቕሪ እንስሳታት ዚመስሎ ይበዝሕ። ስለ’ዚ እግዚኣብሄር ኰነ ቅዱሳን ኣገልገልቱ ኣዘውቲሮም ብኣጽንዖት ብዛዕባ ፍቕሪ ዝተዛረበሉን ዝጸሓፉሉን ምኽንያት መግለጽን መብርህን ክሳዕ ዘየድልዮ ብሩህ’ዩ። ዓለም ኰነ ሰብ፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናኸፍኡን እናተበላሸዉን’ዮም ዚኸዱ ዘለዉ። ምጽኣት ጐይታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን ድማ እቲ ምኽፋእ እናገደደ’ዩ ዚኸይድ። ሓደ ኻብ’ቲ ጕሉሕ ምልክታት ናይ ምጽኣት ጐይታ ድማ ምዝሓልን ምዝሕታልን ናይ ፍቕሪ ምዃኑ ጐይታና ባዕሉ፡ “ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል’ያ” ብምባል ነጊሩና ኣሎ (ማቴ 24፡12)። ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን፡ ምጽኣት ጐይታና መወዳእታ ዓለምን ኪቐርብ ከሎ፡ ሃልሃል ’ትብል ፍቕሪ ኸም ’ተድልየና ጽሒፉልና ኣሎ (1ጴጥ 4፡7,8)።
ፍቕሪ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲት ‘ትኸውንሲ፡ እንታይ ረብሓ ስለ ዘለዎ’ዩ፧ ኵሉ ዓይነት ፍቕሪ ድዩ ኣገዳሲ፧ እግዚኣብሄርከ በየነይቲ ዓይነት ፍቕሪ’ዩ ዚዓግብን ዚኸብርን፧ ፍቕሪ ርእሳ ዝኸኣለት ዓባይ ባህርይን ስነ-ምግባርን’ያ። ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ ምዃና’ውን ጐይታና ባዕሉ ነጊሩና ኣሎ (ማቴ 22፡35-39)። ናይ ፍቕሪ ፍሉይነት ግን ንርእሳ ትእዛዝ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንኻልኦት ኵሎም ትእዛዛት ክትገብሮም እተኽእል ምዃና’ዩ። ልዕሊ ኻልእ ኵሉ ባህርያትን ትእዛዛትን እተሰርዓትሉ ምኽንያት ድማ ንሱ’ዩ። ጐይታና፦ “ኣብ’ዘን ክልተ ትእዛዛት’ዚኣተን (ንኣምላኽካ ምፍቃርን ንብጻይካ ምፍቃርን)፡ ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 22፡40)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፦ “ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስ ሓደ’ኳ (ናይ ፍቕሪ) ዕዳ ኣይሃሉኹም። ምኽንያቱ እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር (ንዅሉ) ሕጊ ፈጺምዎ’ዩ። እቲ “ኣይትዘምው፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ዘይገንዘብካ ኣይትመነይ” ዚብል፡ ካልእ ትእዛዝ’ውን ኵሉ፡ ኣብ’ቲ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዚብል ትእዛዝ ክቱት’ዩ። ፍቕሪ ንብጻያ ኽፉእ ኣይትገብሮን’ያ። እምበኣርሲ ፍቕሪ መፈጸምታ (ናይ ኵሉ) ሕጊ’ያ።” ብምባል ናይ ፍቕሪ ተራ እንታይ ምዃኑ ብዝነጸረ መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ (ሮሜ 13፡8-10 ካ.ት)። ነዚ ኣብ’ዚ ጥቕስና ተጠቒሱ ዘሎ ገለ ገለ ትእዛዛት እንተ ረኣናዮ፡ ምስ ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዚዛመድ’ውን ብቐሊሉ ኣይርድኣካን’ዩ። ንኣብነት ንስርቕን ፍቕርን ኣዛሚድና እንተ ረኣናዮ፡ ነቲ “ኣይትስረቕ” ዚብል ትእዛዝ ንምኽባር፡ ፍቕሪ ብኸመይ’ያ ‘ትሕግዘኒ፧ ዚብል ሕቶ ዜልዕለልና’ዩ። እግዚኣብሄር ነቶም ‘ንፈልጦምን ነቶም ዚቐርቡናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ “ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ” ኪህልወና’ዩ ኣዚዙና (2ጴጥ 1፡7)። ነዛ ትእዛዝ’ዚኣ ዜኽብር ሰብ፡ ዋላ ነቲ ኺሰርቆ ዚሓስብ ዘሎ ዘይፈልጦ ጓና ሰብ’ውን ስለ ዜፍቅሮ፡ ገንዘቡን ንብረቱን ወሲዱ ኺጐድኦ፡ እታ ኣብ ውሽጡ ዘላ መንፈሳዊት ፍቕሪ ኣይትፈቕደሉን’ያ። መንፈሳዊት ፍቕሪ ኸተጥርየሉ ዜኽእል መንፈሳውነት እንተ’ልዩካ፡ ብመሰረቱ “ስርቂ” ይትረፍ ክትገብሮ፡ ብደረጃ ሓሳብ ጥራይ’ኳ ናብ ኣእምሮኻ ኣይቅልቀልን’ዩ። ዋላ እንተ ተሸገርካን እንተ ጠመኻን’ውን፡ እንተ ሓሰመ “ሃበኒ” ኢልካ ደኣ ትልምን’ምበር፡ ኣይትሰርቕን ኢኻ። ሰብ ኪፍጽሞ ንዚኽእል ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት፡ ብኸም’ዚ ንስርቂ ዝረአናዮ ጌርና እንተ ንምርምሮ፡ ፍቕሪ ዘለዎ ሰብ ከም ዘይፍጽሞ ኸነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ፍቕሪ እንተ ዘይብልና ግን፡ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት ኣብ ህይወትና ስለ ዚስዕርር፡ ጻህያይ ከም ዝወሓጦ ዘራእቲ ዄንና ኢና ንተርፍ።
ኵሉ ኽንገብሮ ዝተኣዘዝና ግብሪ ጽድቂ’ውን፡ ከይከበደና ተሓጒስና ብቐሊሉ ኽንገብሮ ‘ተኽእለና ፍቕሪ’ያ። ብፍቕሪ ዘይተደረኸን ዘይተገብረን ዝዀነ ይኹን ግብሪ ጽድቂ፡ ብመሰረቱ’ውን ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን። ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ግብሪ ብገዛእ ርእሱ ወይ ብባህርዩ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ኪኸውን’ውን ኣይክእልን’ዩ። ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ልግሲ ወዘተ ሰናይ ግብሪ’ዩ። ብፍቕሪ እንተ ዘይተገብረ ግን ትርጕም የብሉን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሕማቕ ትርጕም’ዩ ዚህልዎ። ብፍቕሪ ዘይተሰነየ ትዕግስቲ፡ ናይ ኣምሰሉ ዝተተምየነ ኣበሰኛ ትዕግስቲ’ዩ። ኣምላኽ ዚዓግበላን ዜኽብራን ትዕግስቲ እታ ፍቕራዊት ትዕግስቲ’ያ። እታ ንፍቕሪ ረጊጻ ኣብ ልዕሊኣ እትቐውም ትዕግስቲ ግን፡ ካብ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነት ሰይጣናዊት’ያ። ውሽጥኻ ብቝጥዓ ተቓጺሉ፡ ብጽልኢ ኽሒኑ ኸሎ፡ ኣፍካ ዓጺኻ ስቕ ስለ ዝበልካ፡ ኣእዳውካ ዘርጊሕካ ስለ ዘይተዋቓዕካ ጥራሕ፡ “ተዓጊሰ” ምባል’ሞ፡ ኣምላኽ ከም ዕጉስ ሰብ ኪፈልጠካ ምጽባይ ከንቱ ጥበራ’ዩ። ይትረፍ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ሰይጣን’ውን ንርእሱ መልኣኽ ብርሃን ኣምሲሉ ይኽእሎ’ዩ። ተዅላ’ውን ቈርበት በጊዕ ተኸዲኑ፡ ሕያዋይ በጊዕ ኪመስል ይኽእል’ዩ። ዚድለይ ዘሎ ድማ ነቲ ተዅላነት ጠቕሊልካ ደርቢኻ፡ ምሉእ ብምሉእ በጊዕ ምዃን’ምበር፡ ዝገበርካ ጌርካ ናትካን ዘይናትካን ባህርይ ሓዋዊስካ፡ በጊዕ ምምሳል ኣይኰነን። ምኽንያቱ ውዒልካ ሓዲርካ “ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ። ድሙ ነይገድፍ ግብሪ እሙ (ግብሪ ኣዲኡ)” ዀይኑካ፡ ናብታ መበቈላዊት ባህሪኻ ምምላስካ ዘይተርፍ’ዩ። ፍቕሪ ዘይብሉ ትዕግስቲ ድማ ትዕግስቲ ተዅላ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ፍቕሪ ዘይብሉ ትዕግስቲ፡ ልኡምን ስዉርን መጥቃዕቲ’ዩ። ምኽንያቱ ጽልኢ ንበይኑ፡ ነፍሲ ዚቐትል ሰይጣናዊ ኣጽዋር ምዃኑ፡ ቅዱስ ወንጌል ኣረጋጊጹልና’ዩ (1ዮሃ 3፡15)። ኵሉ ሰናይ ባህርይን ውህበታት ጸጋን ብዘይ ፍቕሪ ምስ ዚኸውን፡ ከንቱን ዘይጠቅምን ካብ ምዃን ሓሊፉ ጐዳኢ ኸም ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር ኣረጋጊጹልና’ዩ።
“ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ . . . ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን (ከግዕዝ ክሳዕ ዝኽእል ምሉእ) እምነት እንተ ዝህልወኒ፡ . . . ኵሉ ገንዘበይ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይ’ውን (መስዋእቲ ንምዃን) ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ (እዚ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታትን ውህበታትን) ሓንቲ ኣይጠቕመንን’ዩ። ከንቱ ምዀንኩ ነይረ።” 1ቈረ 13፡1-3
ህይወትካ ንመስዋእትነት ኣሕሊፍካ ሂብካ፡ ኵሉ ንብረትካ ንድኻታት ዓዲልካ ኸተብቅዕ ዘይጠቕመካ እንተ ዀይኑ ካብ’ዚ ዚኸፍእ እንታይ ካልእ ጕድለት ኣሎ፧ ቅዱስ ጳውሎስ በዚ ኣገላልጽኡ’ዚ ንውህበታት መንፈስ ቅዱስ ኣይኰነን ዜቃልልን ዜነኣእስን ዘሎ። ወይ’ውን ንሰማእትነትን ልግስን ኣየነኣኣሰን። ካብ’ዚ ዅሉ ግን፡ ፍቕሪ ኸም ‘ትዓብይ፡ ህላው ፍቕሪ ጥራሕ ነዚ ጸጋታት’ዚ ኽቡርን ቅቡልን ከም ዚገብሮ’ዩ ዘረጋገጸልና። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ኣብ መራሒ ናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስትያን ብግብሪ ተራእዩ’ዩ። ንሱ ብዅሉ ግብሩን ጻዕሩን ትዕግስቱን ኣብ ልዕሊ ስሑት እምነት ብዝነበሮ ጽኑዕ መርገጽን ብጐይታ ዝተናእደ ምጉስን ኣገልጋሊ’ኳ እንተ ነበረ፡ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕሩ ስለ ዝሓደጋ ግና፡ ከም ውዱቕ ሰብ ገይሩ ገለጾ። ብንስሓ ናብ ፍቕሪ እንተ ዘይተመሊሱ ድማ ካብ ማዕርጉ ነቒሉ ኸም ዚድርብዮ አጠንቀቖ (ራእ 2፡1-6) ምኽንያቱ ፍቕሪ መዳርግትን መተካእታን ዘይብላ ቐዳመይትን ዓባይን ትእዛዝ’ያ። ስለ’ዚ ብዛዕባ መንፈሳዊ ፍረና፦ “ኣየናይ ፈጺመ፡ እንታይከ ተሪፉኒ” ጥራሕ ዘይኰነስ፡ “ብኸመይ’የኸ ፈጺመዮ፡ ብፍቕሪዶ ብዘይ ፍቕሪ፧” ኪኸውን ይግባእ ማለት’ዩ።
ሰብ ዚፍጽሞ ዓይነት ሓጢኣት ኣብ ክልተ’ዩ ዚኽፈል፡ እቲ ቐዳማይ ግድፈታዊ (Sin of Omission) ኣበሳ ኪኸውን ከሎ፡ ክትገብሮ ዝተኣዘዘካዮስ ከይገበርካ ብምግዳፍ ዚፍጸም ሓጢኣት’ዩ። እቲ ኻልኣይ ከኣ ግህሰታዊ (Sin of Commissions) ኣበሳ ዀይኑ፡ ከይትገብሮ ዝተኸልከልካዮ ተግባር ብድፍረት ትእዛዝ ግሂስካን ጥሒስካን ብምግባር ዚፍጸም ሓጢኣት’ዩ። ፍቕሪ፡ ካብ’ዚ ኽልቲኡ ዓይነት ሓጢኣት እተናግፍ ፍትንቲ መድሃኒት’ያ። ነቲ “ግበርዎ” ዝተበሃልናዮ ኽንገብር ትድርኸና፡ ነቲ “ኣይትግበርዎ” ዝተበሃልናዮ ንዘይምግባር ርእስና ኽንገትእ ከኣ ተኽእለና። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ’ሎ።
“ፍቕሪ ዓቃል’ያ፡ ፍቕሪ ለዋህ’ያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን’ያ፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን’ያ፡ ኣይትዕበይን’ያ። ፍቕሪ ስዲ ኣይኰነትን (ኣይተስተሓፍርን’ያ። “ንዓይ ይጥዓመኒ” ብዚብል ኣይትምራሕን’ያ (ናታ ኣይትደልን’ያ)። ፍቕሪ ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን’ያ። ብሓቂ ትሕጐስ’ምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን’ዩ። ፍቕሪ ንዅሉ ትጸውር፡ ንዅሉ ትኣምን፡ ብዅሉ ድማ ተስፋ ትገብር ንዅሉ ትዕገስ 1ቈረ 13፡4-7 ካ.ት።
“ፍቕሪ ኣሎኒ፡ አፍቅርየ’የ” ዚብል እምነት ሃልዩና፡ ነቲ “ኣይትግበሮ” ዝተባህለልና ኣብ ዘይምግባርን፡ ነቲ “ግበሮ” ዝተባህለልና ኣብ ምግባርን እንተ ዘይአዐዊታትና፡ ፍቕርና እታ ጥዕና ዘለዋ መንፈሳዊት (እምነታዊት) ፍቕሪ ዘይምዃና ርዱእ’ዩ። ዓይነት ፍቕርና ኣብ ዓይነት ህይወትናን ተግባርናን ልዑል ጽልዋን ወሳኒ ግደን ኣለዎ። ፍቕሪ፡ ስምዒታውን ግብራውን መግለጺ ኸም ዘለዋ ርዱእ’ዩ። እተፍቅሮ ሰብ ክትረክብ ከለኻን ምስኡ ኽትከውን ከለኻን፡ ዚስምዓካ ውዕዉዕ ስምዒት ኣሎ። ሕጉስ ትኸውን፡ ነጻነት ይስምዓካ፡ ንዘረባን ጸወታን ክፉት ትኸውን፡ ውሽጥኻ ይቐስን። እዚ ስምዒታዊ መግለጺ ናይ ፍቕሪ ግን፡ ቀዋምነት ስለ ዘይብሉ ኣብኡ ኽትምርኰስን ንመጠን ፍቕርኻ ብእኡ ኽትልክዕን ኣይግባእን’ዩ። ልክዕ ከም’ቲ ምቁር ምግቢ ኺውዕይ ከሎ ዚወጽእ ሃፋን ሽታን’ዩ። ኣዝዩ ደስ ዜብል ስምዒትን ሸውሃትን ደኣ የለዓዕለልካ’ምበር፡ ከተሽትቶ ውዒልካ እንተ ሓደርካ’ኳ፡ ካብ’ቲ መኣዛዊ ትሕዝቶኡ ሓንቲ ግራም ወይ ሓንቲ ነጥቢ’ኳ ኣይትቐምስን ኢኻ። እቲ ቝም ነገር ዚርከብ፡ ብስነ ስርዓት ኰፍ ኢልካ ነቲ ምግቢ እና’ዀምሳዕካ ብምምጋብ ጥራሕ’ዩ። ውዕዉዕ ስምዒት ናይ ፍቕሪ ድማ ኣዝዩ ጥዑም’ኳ እንተ ዀነ፡ ቍም ነገሩን ረብሓኡን ግን ብግብሪ ኺግለጽ ከሎ ጥራሕ’ዩ። እቲ ንርእሱ ፍቕሪ ዝዀነን፡ ካብ’ቲ ተወራሲ ናይ ፍቕሪ ባህርዩ ዝመቐለናን፡ “ተፋቐሩ” ኢሉ ዝኣዘዘናን ኣምላኽ ድማ ነቲ ስምዒታዊ ዘይኰነ ነቲ ግብራዊ መግለጺ ናይ ፍቕሪ’ዩ ዚመዝንን ዓስቢ ዚህብን።
እቲ ሓቀኛን ግብራውን መልክዕ ናይ ፍቕሪ መዓስን ብኸመይን’ዩ ዚግለጽ፧ እቲ ናይ ብሓቂ ፍቕሪ እትግለጸሉን እትድለየሉን ኵነታትከ ከመይ ዝበለ’ዩ፧ ኵነታት ኣዝዩ ጥዑም ኪኸውን ከሎ፡ ሰላም ኣብ ዘለዎ፡ በረኸት ኣብ ዝመልኦ፡ ኣብ ልሙድ ጐደናታት ህይወት፡ ዜጻልእን ዜባእስን ምኽንያት’ውን ስለ ዘየለ፡ ብፍቕሪ ኽትነብር ኣየጸግምን’ዩ። ሽዑ ኣኺሉ ዚተርፍ ፍቕሪ ዘሎ’ዩ ዚመስል። ኣብ ኣዝዩ ልሙድ ጥውይዋይ ዘይብሉ፡ ዓቐበ ቝልቍል ዘይብሉ ጽርግያ፡ ኵላተን መካይን ሓያላትን ጥዑማትን’የን። ካብ’ቲ ኣስፋልት ጽርግያ የማነ ጸጋም እንተ’ላጊስካ፡ ወይ ከኣ ተሪር ዓቐበት፡ ንልጓም ዚፈታተን ጸዳፍ ቍልቍለት ወዘተ እንተ’ጋጢሙ ግን፡ ኣየነይተን’ያ ናይ ብሓቂ መኪና ሽዑ’ዩ ዚፍለጥ። እተን ጥዑያት ጸይረን ናብ’ቲ ‘ትደልዮ ዓዲ የእትዋኻ። ገሊአን ከኣ “ተሰከመኒ” ኢለን ጾር ይዀናኻ። ይኽደን’ምበር ገሊአን ከኣ ናብ ዓዲ ሞት ናብ መቓብር የብጽሓኻ። ፍቕሪ’ውን ከምኡ’ያ። ፍቕሪ፡ ናይ ብሓቂ ፍቕሪ ምዃና ዚፍለጥ፡ ንፍቕሪ ዚፈታተን ክብድ ዝበለ ዅነታት ኪፍጠር ከሎ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ፍቕሪ እቲ ንዝምድናታት ዚምልከት ፍቕሪ ኪኸውን ከሎ፡ ነቲ ዝምድና ዜሐርፍፎ ተኣፋፊ ዅነታት ምስ ዚኽሰት ሽዑ ጥዕና ፍቕርና ዚፍተሸሉ ጊዜ ኣኺሉ ኸም ዘሎ፡ እቲ ዅነታት ባዕሉ ይሕብረና ኣሎ። እቲ እነፍቅሮ ሰብ፡ ኪገብሮ ዘይግባእ እንተ ገበረ፡ ወይ ከኣ ኪገብሮ ዚግባእ ከይገበረ እንተ ተረፈ ወይ’ውን ዘየድልይ ቃላት እንተ ተዛረበ፡ ፍቕርና እትድለየሉን፡ ዓይነታን መጠናን ዚምዘነሉን ሰዓት ከም ዝኣኸለን ከም ዝመጸን ኪስቈረና ይግባእ። እቲ ኣብ ልሙድ ጐደና “እከለ ሓወይ/እከሊት ሓብተይ ኣታ ጥዑም፡ ኣቲ ብርኽቲ፡ ገጽ ‘ንፈትዎ ረኣና፡ እንኳዕ መጻእካ፡ እንታይ ደኣ ጠፊእኪ” ኺብል ዝጸንሐ መዓር ዝተለኽየ ዚጥዕም ልሳን ሕጂ እታ ጐደና ምስ ሓርፈፈት እንታይ’ያ ኽትብል፧ እሳተ ገሞራዶ ትተፍእ ትኸውን ወይስ ነቲ ናይ ቀደም ምኡዝ ቃላት ብብዝሕን ብፍቕርን ትዛረብ ትኸውን፧ ገሌና ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሓርፋፍ ኵነታት እንዛረቦን እንገብሮን ኵሉ፡ “እምበርዶ ብቐደሙ ፍቕሪ ነይርዎ’ዩ፧” ኢልካ ኽትሓትት ዜገድድ’ዩ። ንፍቕሪ ኽንዲ ሽምዓ ኼብርሃ ዓቕሚ ስኢኑ ዝጸንሓ ሰብ፡ ንቝጥዓኡ ኸም ሃልሃልታ ጫካ ኣቓጺሉ ንርእሱን ንዅሉ ዝምድናታቱን ኬዕንው እንተ ረኣኻዮ፡ ካብ ምስ ሰብ ምስ ኣራዊት ኽትሰርዖዶ ኣይቀልልን፧ ኣብ’ዛ ሰይጣን ዚገዝኣ ዓለም እናነበርካ፡ ፈተናን ዕንቅፋትን ከየጋጠመካ ኽትነብር ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ስለ’ዚ ዅሉ ዅነታት ሰላማውን ጥዑምን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ “እዚ ዘፍቅሮ ሓወይ ከም’ዚ እንተ ዚገብረኒ፡ እዛ ዝፈትዋ ሓብተይ፡ ከም’ቲ እንተ ትዀነኒ፡ ብኸመይ’የ ፍቕረይ ኣዛዩደ፡ ብትዕግስትን ብምሕረትን ክዋሳእን፡ ካብ’ቲ በደሎም ከናግፎምን ዝኽእል፧” ኢልና ንሕልናናን ኽንምርምርን፡ ጥዕና መንፈሳውነትና ኽንፍትሽን ንዅሉ ሰይጣን ዜዋድዶ ፈታኒ እንተታት ከኣ ድሉዋት ኴንና ኽንጸንሕ’ዩ ዚግባእ። ምኽንያቱ በደልን ህውከትን ብቘጸራ ኣይመጽእን’ዩ። “ናይ በደልን ዕግርግርን ኵነታት፡ ፍቕረይ’ምበር ቍጥዓይ ዝገልጸሉ ኵነታት ኣይኰነን” ብዚብል ጥዑይ ኣተሓሳስባ ተዓሊሙን ተቓንዩን ዝጸንሐ ኣእምሮ ጥራሕ’ዩ፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ኵነታት ኪዕወት ዚኽእል። ማሕበራዊ ተመክሮታትና ኸም ዜረጋግጾ፡ ኣብ ኣባይትና ባርዕ ሓዊ ምስ ዜጋጥም ማይ’ምበር፡ ላምባ ኣይንንስንስን ኢና። ብኣንጻሩ ኣብ ዝምድናታትና ባርዕ ኬጋጥሞ ከሎ ግን፡ ላምባ’ምበር፡ ማይ ኣይንንስንስን ኢና። እዚ ኸኣ “ካብ ዝምድናታተይ ንላዕሊ፡ ንብረት ገዛይ ይበልጸኒ” ዚብል ንፍቕርን ንሰላምን ዘይበቅዕ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዘሎና’ዩ ዜቃልዓና። ናይ ብሓቂ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕናን ቍመናን እንተ ንህልው ግን፡ እቶም ንባእሲ እንጥቀመሎም ፈተንቲ ዅነታት፡ ከም ወጽዓን ጕድኣትን ዘይኰነስ፡ ፍቕርና ንምግላጽን ንምድልዳልን ከም ዚጠቕሙ ኣገደስቲ ሓለፋታትን ወርቃውያን ዕድላትን ጌርና ምረኣናዮምን ምተጠቐምናሎምን ኔርና።
እቲ ኻልኣይ ንፍቕርና ብግብሪ እንገልጸሉ ዕድላት ከኣ ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ዜጋጥሞም ጸገማት’ዩ። ናይ ቍጠባ፡ ናይ ጥዕና፡ ናይ ፍትሒ ወዘተ ጸገማት፡ ካብ ህይወት ወዲ ሰብ ኣይፍለዩን’ዮም። ነቲ ኸምኡ ዘጋጠሞ ሰብ ክብድ ዝበለ ፈተና ዚዀኖ’ኳ እንተ ዀነ ነቶም ናይ ብሓቂ ፍቕሪ ዘሎና ሰባት ግን፡ ፍቕርና ብግብሪ እንገልጸሉ ሰፊሕ ዕድላት’ዩ ዚፈጥረልና። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስና ማእከላይ ሓሳብ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዚገልጸልና። ኣቐዲምና፡ እቲ ‘ንዛረበሉ ዘለና ፍቕሪ ነቶም ዚብጽሑናን ዚቐርቡናን ሰባት ዚምልከት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ ሰብ ዚምልከት ከም ዝዀነ ምጥቃስና ኣይንዘንግዕ። ስለ’ዚ ኸም’ዚ ኸማና ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ንበይኑ ዀይኑ ኺጾሮን ኪወጾን ዘይክእል ማሕበረ ቝጠባዊ ጸገም ከም ዘጋጠሞ ኽንሰምዕን ክንርእይን ከለና፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ተደጕሉ ዘሎ መንፈሳዊ ፍቕሪ ዚገሃደሉን ዚትግበረሉን ጊዜ ኸም ዝበጽሐ ተረዲእና፡ መኻፍልቲ ጸበባኡ መጻውርቲ ጾሩ ምዃንና ብግብሪ ኽንገልጽ ይግብኣና። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ’ውን፡ እምነትና ኣምላኽ ዚቕበላን ዜኽብራን ህያው እምነት ምዃና ዚረጋግጽ፡ ብጥዑም ቃላት ክትውሕዝ ከላ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ኽትግለጽ ከላ ምዃና ጽሒፉልና ኣሎ (ያእ 2፡14-17)። ጐይታና’ውን ነዚ ግብራዊ ፍቕሪ’ዚ፡ ኣብ’ቲ “ምስላ ሕያዋይ ሳምራዊ” ዘርእስቱ በዳሂ ትምህርቱ ብስእላዊ መገዲ ኣርእዩና ኣሎ። እቶም ነቲ ዝተኸትረ ሰብ ከይረድእዎ ፍቕሮም ከይገለጹሉ ረጊጾምዎ ዝሓለፉ ኽልተ ቐዳሞት ሰባት፡ ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣገልገልትን ዝዀኑ መንፈሳውያን ሰባት’ዮም። ብተግባሮም ድማ ፍቕሪ ርእሶም’ምበር ፍቕሪ ሰብ ዘይብሎም ኣራዊት ምዃኖም ኣመስከሩ። እዚ ንጣኦት ዜምልኽ ሳምራዊ ሰብኣይ ግን ነታ ብተፈጥሮ ዝወረሳ ናይ ኣምላኽ ናይ ፍቕሪ ባህርይ፡ ብግብራዊ መገዲ ብምልኣት ስለ ዝገለጻ፡ ብጐይታን በቶም ንጐይታ ኺፍትንዎ ዝመጹ ግቡዛትን ተናእደ። ኣብ ዝሃለና ኽፍሊ ዓለም ንሃልው ድኽነት፡ ሕማም ወዘተ ዝኸተሮም ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ከባቢና ኣለው። እዞም ሰባት’ዚኣቶም ናይ ህይወትና ሚዛንን ፈተናን’ዮም። ብፍቕሪ ድኻታት ዲና ሃብታማት ዚገልጹልና’ዮም። እግዚኣብሄር ከይተረፈ ብኣኣቶም ይመዝነና ኸም ዘሎ ድማ ኣይንዘንግዕ። በታ ኣምላኻዊት ፍቕሪ ዝመላእና ሓቀኛ ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ንፍቕርና ብግብሪ ኽንገልጸሉ ‘ንኽእል ሰፊሕን ወርቃውን ዕድላት ከፊቶምልና ኣለዉ። እቶም ብዘይካ ንርእስና ንኻልኦት ከነፍቅር ዘይንኽእል ናይ ፍቕሪ ድኻታት ከኣ፡ ጉድና ዚቐልዑ ዘለኣለማዊ መጻኢና ዜጸልምቱ ፈተናና’ዮም።
እምበኣር ምልስ ኢልና ህይወትና ንመርምር’ሞ፡ ንፍቕሪ ብዚምልከት ኣብ ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ሃለዋት ከም ዘለና ነረጋግጽ። ንዝምድናታት ኰነ ንማሕበራዊ ጸገማት ብዚምልከት ፍቕርና ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ከም ዘሎን፡ ብኸመይን መዓስን ንገልጾ ኸም ዘለናን ብምስትውዓል ንፍለጥ። ምኽንያቱ እቲ ኣምላኽ ፍቕሪ፡ ነቶም ናይ ሓቀኛ ፍቕሪ ሰባት ጥራሕ’ዩ ዜኽብር። ነቶም ንባህርዩ ዝተጸየፉሉን ዘሕሰሩሉን ሰባት ግን ጽቡቕ ኣይኪፈድዮምን’ዩ። ምኽንያቱ ወርቂ ደርብዮም ጐሓፍ ዜልዕሉ ዓያሱ’ዮም!! ካብ’ዚ ዕሽነት’ዚ የድሕነና!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
18 ግንቦት 2025 | ግንቦት 10, 2016 ግዕዝ (መበል 36 ሰንበት: ቊ.፴፮/36) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፮(፻፯)፡፲፭,፲፮ “ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመሕያው። እስመ ሰበረ ኆኀተ ብርት።” “መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ’ዩ’ሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡50-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 3፡13-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-32 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 21፡15-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ