S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣእምሮ ዚማርኽ ኣጽዋር (መበል 35 ሰንበት: ቊ.፴፭/35, 2025 | 2017 ግዕዝ

  ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም ቀልብኹም ኣብ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገር ኣብ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፡ ናብ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ከመይ ሞይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ።ቈሎ 31-3 . (2ቈረ 104,5)

እንሆ ዕለት ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤዩ። እዚ ሰንበትዝን እዚ ዚስዕብ ሰሙንን ብዛዕባ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ክንመሃርን ከነስተንትንን፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዝተሰርዓልና ቕንያትዩ። ምኽንያቱ ናይ ጐይታና ናይ ሞቱን ትንሳኤኡን ዕላማ፡ ንኣና ኣብ ትሕቲ ምርኮ ሞትን ሲኦልን ንዝነበርና ደቂ ኣዳም ትንሳኤ ሙታን ንኼውሕሰልናዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ነዚ ዕለት ተሰሪዑ ዘሎ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙርተንስአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታን (ተንሲኡ ንዅሎም ምዉታት ኣተንስኦም)” ዚብልዩ። ናትና ናይ ትንሳኤ መሰረት፡ ናይ ጐይታና ትንሳኤዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይተንስእ፡ ንሕናውን ዘይንትንስእ እንተ ንኸውን፡ ክርስትና ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዅሎም ሃይማኖታት እቲ ዝኸፍአ ዕሽነት ምዀነ፡ ኵላቶም ሰዓብቱ ድማ ኣዝዮም ዜደንግጹ ምዀንና ኔርና።

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዛ እትስዕብ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ድሕሪ 25 መዓልታት፡ ቅድሚ ጰራቅሊጦስ ድማ ቅድሚ 25 መዓልታት ዘላ ረቡዕ፡ርክበ ካህናትተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብ መንጎ በዓለ ትንሳኤን በዓለ መንፈስ ቅዱስን ዘለዋ መዓልታት 50 መዓልታትየን። ስለርክበ ካህናትልክዕ ኣብ ፍርቂትውዕል። ኵሉ ጊዜ ድማ ረቡዕ መዓልቲትውዕል። እዚ ናይ ርክበ ካህናት መዓልትን፡ እዚ ንእኡ ዘማእከለ ሰሙንን፡ ኣበ-ንስሓ ካህናት፡ ነቲ ናይ ኣበ-ነፍሲ፡ ማለት ነቲ ስድራ ቤታዊ ናይ ጕስነት ኣገልግሎቶም ብፍሉይ ኪዝክሩሉን፡ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ኣገልግሎትም፡ ርእሶም ኪምርምሩሉን ዝተሰርዓሎም መዓልትን ቅንያትንዩ። ኣብ ናይ ርክበ ካህናት ረቡዕ መዓልቲ፡ ናብተን ብሓላፍነት ዚጓስየወን ስድራ ቤታት ኪበጽሑ ዚውዕሉሉ መዓልቲዩ። እዚ ማለት ግን፡ ናብተን ዚጓስይወን ስድራ ቤታት ኣብ ሰሙንዚኣ ጥራሕዮም ዚበጽሑ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ናይ ርክበ ቅንያትዚ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ርእሶም ኪምርምሩን፡ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ብምሕረቱ ዝጸገዎም ተሓታትነት ዘለዎ ሃዋርያዊ ኽብሪ ነቲ ወሃቢኦም ኣምላኽ ኬመስግኑን ይግብኦም። ኣብ ሰሙን ብደረጃ ኦርቶዶክስ ተዋህቦ ቤተ ክርስትያን  ብፍሉይ ንኣበ-ንስሓ ካህናት፡ ብሓፈሻ ድማ ንዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ንማሕበረ ምእመናንን ትምህርቲ ሰንበትን ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣበ ነፍሲ ኣስተምህሮ (ትምህርተ-ኣበ ነፍሲ) ዚወሃበሉ ቕንያትዩ። ካህናት ናብተን ስድራቤታት እናኸዱ ስሩዕ ናይ ምብጻሕን ናይ ምስትምሃርን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ንምዝኽኻርን ንምዕጣቕን ዝዓለመ ቕንያትዩ። ናይ ኣበ ነፍሲ ኣገልግሎት፡ መስቀል ኣሳሊምካን ጸሎት ደጊምካን መኣዲ ባሪኽካን ምኻድ ጥራሕ ኣይኰነን። ኣብ ስድራ ንዘለዉ ወለድን ደቅን ሰራሕተኛ ገዛን ምስ ስድራ ተጸጊዖም ንዚነብሩ ዓጽመ ስጋን፡ ዕለትን ሰዓትን ዝተመደበሉ ስሩዕ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ምሃብ፡ ብቤተ ክርስትያንን ብኣምላኽን ተሓታትነት ዘለዎ ናይ ኣበ ነፍሲ ኣገልግሎትዩ። ምእመናንውን ምስ ኣገልግሎቶም ኪተሓባበሩን፡ ካብ ዘቤታዊ ኣገልግሎት እንታይ ኪጽበዩ ኸም ዚግብኦም ኪፈልጡን ስለ ዚግባእ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣበ ነፍሲ መሰረታዊ ኣፍልጦ ዜስንቖም መንፈሳዊ ትምህርቲ ኪረኽቡ ግቡእዩ።

ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን ምስ ትንስኤ ክርስቶስ ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ዘለዎዩ። ቀልብናን ኣእምሮናን ናብ ሰማይ ኪቐንዕ ዚኽእል፡ ምስ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣት ተንሲእና ንጽድቂ ዝተንሳእና ሰባት ምስ እንኸውንዩ። ሽዑ ኣእምሮና ብክርስቶስ ኪማረኽ ዚኽእል። ንኣእምሮና ማሪኽና ንክርስቶስ ከነግዝኦ እንኽእል ድማ ንዅሉ ነእምሮ ዚማርኽ ኣጽዋር ምስ እንዓጥቕዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (2ቈረ 104,5)

እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ እዚ መንፈሳዊ ኣጽዋር ቐንዲ ዕላማኡን ተልእኾኡን፡ ኣእምሮ ምምራኽዩ። ሓደ ኣእምሮ ተማሪኹ ዚበሃል ድማ፡ ንክርስቶስ ኪእዘዝ ምስ ዚኽእልዩ። ስለ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኵሎም ኣገልገልታ፡ መንፈሳዊ ኣጽዋር ዓጢቖም ውግእ ኣምላኽ ይዋግኡ፡ ተዋጊኦም ድማ ይዕወቱ ኸም ዘለዉ ዜረጋግጹ፡ ንክርስቶስ ዚእዘዙ ምእመናን ኪፈርዩን ኬፍርዩን ይግባእ። ኣብ ዕለት ብዛዕባ ኣእምሮ ዚማርኽ ኣጽዋር ኽንመሃር ዘድለዩሉ ምኽንያትምበኣር ንሱዩ። 

እቶም ናይ ክርስቶስ ኣመንትን ሰዓብትን ዝዀንና ኵላትናውን በቲ ናይ ክርስቶስ መንፈሳዊ ኣጽዋር ኣእምሮና ተማሪኹ፡ ንክርስቶስ ይእዘዝን ይግዛእን እተንልዩ ኸነረጋግጽውን ይግባእዩ። ንምእዛዝ ዘይተማረኸ ኣእምሮ ሒዝካ ናብ ቤተ ክርስትያን ምምልላስ፡ክርስትያንምባል፡ ኣብ ትዕዝብትን ፍርድን ናይ ኣምላኽ ዜውድቐና ጠባሪ ልምምድዩ። ንርእስናን ነቶም ዚዕዘቡና ሰባትን ደኣ ይጥብረልና ይኸውንምበር፡ ነቲ ንሓቂ ኣብ ውሽጥና ዚደልያ ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ኣምላኽ ምጥባር ግን ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ስለ ኣእምሮና በቲ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ኣጽዋር፡ ንምእዛዝ ክርስቶስ ከም ዝተማረኸ ከነረጋግጽ ይግብኣናዩ። እቲ ሓቂ ኸምኡ ኻብ ኰነ፡ እግዚአብሔርና ንምንታይ ነእምሮና ኺማርኽ ከም ዚደልይ፡ እቶም ነእምሮና ዚማርኹ ኣጽዋር ኣምላኽ እንታይ ምዃኖም፡ ወዘተ ጽቡቕ ጌርና ኽንፈልጥ ይግብኣና።

 ኣእምሮና ኺማረኽ ዚድለየሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ብትምህርቲ ዀነ ብተመክሮ ኸም እንፈልጦ፡ ኵሉ ኣካላት ሰብነትና ብኣእምሮና ዚግዛእን ዚመሓደርን። ባህርያትና ግብርታትና፡ ኣተሓሳስባና ዀነ ቓላትና በእምሮ ዘምእዘን። ዋላ ስነ-ተግባር (ፊዝዮሎጂ) ናይ ኵሉ ሰብነትናውን ኣእምሮ ዜነባብሮ። ኣካላት ሰብነትና ምስ ኣእምሮና ዘለዎ ርክብ ብገለ ምኽንያት ምስ ዚቋረጽ፡ ብኡንብኡ ስራሑ ደው ዜብል። እዚ ኣዘውቲርና እንዕዘቦ፡ ወቕዒ ሓንጐል (stroke) ዝጠንቁ ለምሲ ናይ ፍርቂ ሰብነት፡ ርኡይ ኣብነትዩ። ኣብ ፍርቂ ኣካልና ዝዀነት ትኹን ጥር እትብል ጕድለት ዘይብሉ ኽነሱ፡ ኣብ ንእኡ ዜመሓድር ክፍሊ ናይ ሓንጐል ጸገም ስለ ዘጋጠመ ጥራሕ ጥቕሚ ዘይብሉ ጾር ኰይኑ ይነብር። እቲ ወቕዒ ኣብ ንልብን ሳንቡእን ዜመሓድር ክፍሊ ናይ ሓንጐል ምስ ዚኽሰት፡ ቅጽበታዊ ሞት ዚስዕብ። እዚ ዝጠቐስናዮ ኣብነታት ኣገዳስነት ሓንጐልናን ኣእምሮናን ንምግላጽ ኣኻሊዩ።

ናይ ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ህይወትውን ኣብ ኣእምሮ ዚምርኰስ። ምኽንያቱ ንመንፈሳዊ ህይወት ዜቝሙ፡ እቶም ባህርያትናን ግብርታትናን፡ ቃላትናን ኣተሓሳስባታትናንዮም። እግዚአብሔር ኰነ ሰይጣን ንኣእምሮና ኺማርኹ ዚደልዩሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ኣእምሮ ብሰይጣን ምስ ዚማረኽ ምእዛዝና ንሓጢኣት ዚኸውን። ኣእምሮና ብኣምላኽ ምስ ዚማረኽ ድማ፡ ምእዛዝና ንጽድቅን ቅድስናን ዚኸውን። መብዛሕትና እንምከሮ ዝውቱር ውድቀት ኣሎ። ብዙሕ ጊዜ ብልሳንና እንሓጥእ ሰባት ምስ እንኸውንሞ፡ ሳዕቤን ቃላትና ምስ ተራእየና ወይውን ብቓል እግዚአብሔር ምስ ተረታዕና፡ድሕሪ ሕጂ ኸም ዝበለ ቓላት ኣይክዛረብንየ፡ ልሳነይ ክቈጻጸርኢልና ንምሕልን ንመባጻዕን። ከይወዓልና ኸይሓደርና ድማ፡ ሓደ ሳዕን ክልተ ሳዕን ጥራሕ ዘይኰነ ማእለያ ዘይብሉ ጊዜ ኽንደጋግሞ ንርከብ። ምምሓልን ምሕጣእን ከኣ ፈጺሙ ዘየቋርጽ ዑደት ህይወትና ዀይኑ ይተርፍ። ብዛዕባ ዝሙትን ምንዝርናን፡ ስኽራን፡ ባእሲ፡ ሓሶት፡ ሕምየት፡ ቍጥዓ ወዘተ ዝኣመስሉ ኣበሳታትውን ብኸምኡ እናደጋገምናዮ ንነብር። እቲ፦ ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስ፡ ዓሻውን ከምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ።

ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመልሰ፡ ሓሰማውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት።ዚብል ምስላ ሓቂ ኣብ ህይወትና ይገሃድ (ምሳ 2611 1ጴጥ 222)

ከም ሓሰማን ከም ከልብን ናብ ዘርሓቕናዮ ጽያፍና ደጋጊምና ኽንመላለስ ዚገብረና ዘሎ፡ ኣእምሮና ንምእዛዝ ክርስቶስ ስለ ዘይተማረኸዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ግሩም ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ። 

እምብኣርሲ ኣሕዋተይ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ኸተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣለኹ። እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈስዊ ኣገልግሎትኩምዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም (ኣእምሮኹም) ተለወጡምበር፡ ነዛ ዓለምዚኣ ኣይትምሰልዋ።ሮሜ 121,2

ኣእምሮና ንክርስቶስ ንምእዛዝን ንምግልጋልን እንተ ተማሪኹ ሽዑ ንብዘሎ ስጋና ህያውን ቅዱስ ንኣምላኽ ዚበቅዕን ዜሐጕስን መስዋእቲ ጌርና ኸነቕርቦ ከቶ ኣይንጽገምን ኢና። ኣእምሮና እንተ ዘይተማሪኹ ግና፡ ዋላ ኣብ ገዳም ወይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዓጺና እንተ ተቐመጥና ነዛ ዓለምዚኣ ኻብ ምምሳል ክንድሕን ፈጺምካ ዘይከኣልዩ። ንክርስቶስ ዘይእዘዝ ኣእምሮ ድማ ዝጠፍአ፡ ዝጸልመተ ሕሱር ኣእምሮዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባቶም ኣእምሮም ንክርስቶስ ዘየግዝኡ ዓለማውያን ኣህዛብ ዝሃቦ መግለጺ ነዚ ሓሳብና ኣነጺሩ ዚገልጸልናዩ።

እምበኣርሲ ኸም ኣህዛብ (በቲ) ኸንቱ ሓሳቦም ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብል፡ ብጐይታናውን (እምዕድ) ኣለኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖምውን  ብስሰዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁ (ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦምዮም) ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከም ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን። እታ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተማሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ (ተሓደሱሞ፡ ነቲ) ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።ኤፌ 417-24

ብመሰረት ሃዋርያዊ ቓልምበኣር፡ እቲ ዝተፈጥረሉ መልክዕን ምስልን ዓቂቡ፡ ንክርስቶስ መሲሉ፡ ብሓቀኛ ጽድቅን ቅድስናን ኪመላለስ ዚኽእል ሰብ፡ እቲ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዝተሓደሰን ንምእዛዝ ክርስቶስ ዝተማረኸን ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ጥራሕዩ።

ኣእምሮና ንምእዛዝ ክርስቶስ እንድሕር ዘይተማሪኹ ግን ሕሱር እእምሮ ዀይኑ ዚተርፍ። እቲ በዚ ሕሱር ኣእምሮ ዚመሓደር ስጋና ድማ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ኬፍርይ ኣይክእልንዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ምስሊ ሕሱር ኣእምሮ እንታይ ከም ዚመስል ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ።

ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን፡ ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል (ኣእምሮኦምውን) ጸልመተ።ለባማት ኢናእናበሉ ዓሸዉ። ከም ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም (ኣብ ኣእምሮኦም) ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ (ነውሪ ኺገብሩ) ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም። (ስለ) ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስሰዐ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ቅንኣት ዝመልኡ፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ (ዝመልኦም ኰኑ) መሕሽዅሽዅቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኵሩዓት፡ ተዘሃርቲ (ተጀሃርቲ) ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቝርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዘይብሎም፡ ዘይድንግጹ (ጨካናትዮም) እዚኣቶም፡ ነቶም ከም ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም። ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ (ይፈልጥዎ) ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ ኣለዉምበር ዚገብርዎ ጥራሕ ኣይኰኑን።ሮሜ 128-32

ብክርስቶስ ብዘይተማረኸ ኣእምሮ ዚምራሕ ህይወትምበኣር ነዚ ዚመስል። መለለዪኡ ጸልማትን ከንቱነትን ዕሽነትን ጥራሕዩ። ናይ መወዳእታ ዓስቡ ድማ ዘለኣለማዊ ሞትዩ። ካብ ዘይንቡርን ነውራምን ናይ ሓጢኣት ዝርዝራት ክንጸርይ እንተ ዄንና፡ ኣእምሮና ብክርስቶስ ኪማረኽ ክንፈቅድ ይግባእ። ዝተማረኸ ሰብ ንፍቓድ ናይ ዝማረኾ ኣካል ከም ዜገልግል፡ ንክርስቶስ ዝተማረኽካ ምዃን ድማ፡ ንክርስቶስ ጥራሕ እትእዘዝ ሰብ ምዃን ማለትምበር ካልእ ትርጕም የብሉን።

እቲ ነእምሮ ኺማርኽ ዚኽእል መንፈሳዊ ኣጽዋርከ እንታይዩ፧ እቲ ነእምሮና ዚማርኽ፡ ንሕናውን ብእኡ ጌርና ንኣእምሮ ኻልኦት እንማርኸሉ መንፈሳዊ ኣጽዋር ድማ ብዝርዝር ተገሊጹልናዩ። ዓይነት ኣጽዋርና ብዓይነት ናይ ዚዋግኣና ኣካል ዚውሰን። ኣጽዋርና ንኣጽዋር ጸላኢና እንተ ዘይተመጣጢንዎን እንተ ዘይበሊጽዎን ገና እቲ ውግእ ከይተጀመረ ስዕረትና ርጉጽ ኪኸውንዩ። ስለ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም ዚስዕብ ዝመዓደና።

ከመይ ቅልስና (ውግእና) ምስቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሕልቅነታትን ስልጣናትን፡ ምስቶም፡ ንዘመን ጸልማት ዜመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፡ ምስቶም ክፋኣት መናፍስትንምበር ምስ ሰብ ኣይኰነን። እምበኣር በታ ኽፍእቲ መዓልቲ ተቓዊምኩም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ሰዒርኩም ከኣ ደው ክትብሉስ፡ ምሉእ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።ኤፌ 611-13 .

ውግእና ምስ ሰብ እንተ ዚኸውን፡ ከም ናይ መንግስቲ ወተሃደራት ዚዓጥቅዎ፡ ንስጋ ዚቐትልን ዜቝስልን ኣጽዋር ምዓጠቕና ኔርና። ውግእና ምስቶም ኣብ ሰማያት ኰይኖም ዚዋግኡና ናይ ሰይጣን ናይ ዘመነ-ጸልማት ስልጣናት ካብ ኰነ ግና፡ ኣጽዋርና መንፈሳዊ ኣጽዋር ኪኸውን ናይ ግድንዩ። ሰይጣን ብሓሶት ስለ ዜጥቅዓና፡ ንሕና ኸኣ ሓቂ ንዕጠቕ፡ ንሱ ብርኽሰት ይዋግኣና፡ ንሕና ድማ ቅድስና ንዕጠቕ፡ ንሱ ብጥርጥር (ብዘይምእማን) ይዋግኣና፡ ንሕና ኸኣ ብእምነት ንገጥመሉ። ነዚ ንሰይጣን ዚስዕር ኣጽዋር ዚዕጠቖን ዚዕወተሉን ከኣ እቲ ንክርስቶስ ዚእዘዝ ኣእምሮ ጥራሕዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ መንፈሳዊ ኣጽዋርን መንፈሳዊ ውግእን፡ በቲ ንሱ ዝነበረሉ ናይ ቀዳማይ ክፍሊ ዘመን (Century) ዓይነት ኣጽዋር ገሊጽዎ። ናይ ሽዑ ኣጽዋር፡ ሰይፊ፡ ዋልታ፡ መንትግ (ቀስቲ) ፍላጻ፡ ኲናት ድርዒ፡ ቍራዕ-ርእሲ (helmet) ወዘተ ነበሩ። እቶም ንክርስቶስ ክንእዘዞ ንሰይጣን ከኣ ክንስዕሮ ዜኽእሉና መንፈሳውያን ኣጽዋር ድማ ኣብ ናይ ኤፌ 614-18 ከምኡውን ኣብ ናይ ናይ 1ተሰ 58 ንባባት ብኸም ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ፡

1. ዕጣቕ ሓቂ (ኤፌ 614)፦ ዕጣቕ ንሕቘ ዓቀይታይ ከም ዜጽንዖ፡ ንህይወት ክርስትያን ጽንዕቲ ዚገብራ ድማ ሓቂዩ። ሰይጣን ብሓሶት ስለ ዚዋግኣና፡ ሓቂ እንተ ዘይተዓጠቕና ኽንቃወሞን ክንስዕሮን ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፍለጥ ዘለዎ ዅሉ ፍልጠት-ሓቂ ምስ እንፈልጦ፡ ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ድማ ሓቂ እንሓስብን እንዛረብን እንገብርን ምስ እንኸውን ናይ ሰይጣን ሓሶት መኺኑ ዚተርፍ። ስለ ነታ ብክርስቶስ ዝተገልጸት ሓቂ ብምልኣት ክንፈልጣን ክንዕጠቓን ኣንጻር ሰይጣን ክንጥቀመላን ይግባእ። ሓቂ ዘይዓጠቐ ኣእምሮ፡ ዘይተማረኸን ምእዛዝ ነውሪ ዀይኑ ዚረኣዮን ክርስትያንዩ።

2. ድርዒ ጽድቂ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን (ኤፌ 614 1ተሰ 58) ድርዒ ኣብ ኣፍ ልብኻ እትዕጠቖ ካብ ኣጽዋር ሰይጣን እትከላኸለሉ ዕጥቂዩ። ብጽድቂ፡ ብእምነትን ፍቕርን ዚመላለስ ሰብ፡ በቲ ሰይጣን ዚውርውረሉ ኣጽዋር ኣይጥቃዕንዩ። ንጽልኢ ብፍቕሪ፡ ንጥርጥር ብእምነት፡ ንዅሉ ዓይነት ዚፈታተኖ ሓጢኣት ከኣ ብጽድቂ የምክኖ።

3. ሳእኒ ወንጌል (ኤፌ 615)፦ ኣሽንኳይ ኣብ እትረግጾ ዘይትርእየሉ ውግእ፡ ኣብ ሰላማዊ ናይ እግሪ ጕዕዞ ሳእኒ ዘይብልካ ምዃን ኣዝዩ ሃሳዪን መግድዕንዩ። ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ዚዋጋእን ዚነክስን ዚዕንቅፍን ነገር ኣሎ። ስለ ምሉእ ኣድህቦኻ ናብ ጸላኢ ጌርካ ኽትዋጋእ፡ ሳእኒ፡ ምሹእን ድልዱልን ሳእኒ ደኣ፡ ኣዝዩ ኣድላዪዩ። ኣብ መንፈሳዊ ኣጽዋር ከም ሳእኒ ዀይኑ ዜገልግለና ድማወንጌል ሰላም”’ዩ። እቲ ብወንጌል ዚርከብ ሰላም ዘይዓጠቐ ክርስትያን ርቡሽ ስለ ዝዀነ ንሰይጣን ኪገጥመሉን ኪዕወተሉን ኣይክእልንዩ። ኣብ ሓደ ጊዜ ምስ ክልተ ሰባት ከም ዚዋጋእ ዝተገድዐ ወተሃደር ዚኸውን። ነቲ ሓደ እንተ ተዓወተሉ በቲ ኻልኣይ ኺጥቃዕ ዘይተርፈሉ ዕጫዩ።እግርኺ ጥራዩ ካብ ምዃኑ ተጠንቀቒዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ (ኤር 225)

4. ዋልታ እምነት (ኤፌ 616) ዋልታ ናይ ምጥቃዕ ዘይኰነስ፡ ናይ ምክልኻል ኣጽዋርዩ። ነቲ ጸላኢኻ ዚውርውረልካ ርሱን መንትግ ብዋልታ ኢኻ እተምክኖ። ነቲ ናይ ጥርጥርን ተስፋ ምቝራጽን ርሱን ምንትግ፡ ብሓያል እምነት ጌርና ነምክኖን ነጥፍኦን። እምነት እንተ ዘይዓጠቕና ግና እቲ መንትግ ጸላኢ ናብ ክሕደት ኬብጽሓና ይኽእልዩ።

5. ቊራዕ ርእሲ ምድሓን (ኤፌ 617 1ተሰ 58)፦ ርእሲ፡ እቲ ቐንዲ ኣካል ናይ ሰብነትዩ። ርእሱ ዝተሃርመ ወተሃደር፡ ካልእ ኣካሉ ጥዑይ ክነሱ ኺጥቀመሉ ኣይክእልንዩ። ድሕነት (ምድሓን) ከኣ ናይ ኣእምሮና ቝራዕ ርእሲ (helmet) እዩ። ናይ ዘይደሓነ ሰብ ኣእምሮ፡ ናይ ሰይጣን ቤት-ዕዮ (work shop) ካብ ከንቱ ሓሳባትን ድሌታትን ዘይደሓነ ኣእምሮ፡ ንመጥቃዕቲ ሰይጣን ቅሉዕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ድሕነት ኣእምሮና ዝተሓለወ፡ ኣእምሮና ብተስፋ ምድሓን ዝመልአ ኪኸውን ይግባእ።

6. ሰይፊ መንፈስ (ቃል-ኣምላኽ) (ኤፌ 617) ክሳዕ ሕጂ ዝጠቐስናዮም ኵላቶም ኣጽዋር፡ ናይ ምክልኻል ኣጽዋርዮም። ናይ ክርስትያን እንኮ ናይ ምጥቃዕ ኣጽዋር፡ ቃል ኣምላኽዩ። ናይ ክርስቶስ ሰይፊውን፡ እቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ክልተ ዝኣፋ በሊሕ ሰይፊ (ራእ 16 11 1915 ኢሳ 114) ቃል ኣምላኽ ዘይዓጠቐ ልሳን ሒዙ ዚነብር ክርስትያን ከኣ፡ ንሰይጣን ኬጥቅዕ ዘይክእል ኵሉ ጊዜ ንመጥቃዕቲ ዝተቓልዐ ድኹም ክርስትያንዩ። ነእምሮ ናይ ሰማዕቱ ንምእዛዝ ክርስቶስ ኪማርኽ ዘይክእል ፍረ ዘይብሉ መኻን ክርስትያንዩ። ቃል ኣምላኽ፡ መንፈሳዊ ሰይፊ ስለ ዝዀነዩ፡ ብስብከት ሃዋርያ ጴጥሮስ ልቦም ተወጊኡ ኣስታት ስለስተ ሽሕ ሰባት ናብ ክርስቶስ ዝተማረኹ (ግብ 237,41 ማቴ 41-11)

7. ብመንፈስ ምጽላይ (ኤፌ 618-20) ጸሎት፡ ናይ ንቑሕ ኣእምሮ ውጽኢትዩ። ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱንቕሑ፡ ንቑሓት ኵኑኢሉ ደጋጊሙ ኺምዕዶም ከሎ፡ጸልዩማለት ዝነበረ። ስጋ፡ ኵሉ ጊዜ ንምድቃስ ይደክም፡ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዚምራሕ ክርስትያን ግና ንምጽላይ ይነቅሕ (ማቴ 2640-45) ኣብ ኤፌ 611-13 ከም ዝረኣናዮ፡ ኣጽዋር ኣምላኽ ምልባስና ኣብ ቅድሚ ጸላኢና ንውግእ ደው ክንብል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ንኽብሪ ደው ክንብል ሓይሊ ዚህበናዩ። ጸሎት ድማ ኣገዳሲ ኣጽዋር ስለ ዝዀነ፡ ደው ክንብለሉ እንኽእል ሓይሊ ዜዕጥቐና (ሉቃ 2136)

ካብ ዝዘርዘርናዮ ኣጽዋር ከም እንርድኦምበኣር ንርእስና ንክርስቶስ ክንእዘዝ ዜኽእለና፡ ካልኦት ሰባት ከኣ ንምእዛዝ ክርስቶስ ክንማርኸሉ ዜኽእለና ጸሎት፡ ቃል ኣምላኽ፡ ምድሓን፡ እምነት፡ ናይ ወንጌል ሰላም፡ ጽድቂ፡ ፍቕሪ፡ ሓቂ ዝዓጠቕና ምዃንናዩ። እቲ ነዚ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ኣእምሮ፡ ንክርስቶስ ዝተማረኸ ኣእምሮዩ። በዚ ኣጽዋር ዘይተማረኸን ዘይተዓጥቀን ኣእምሮ ግን፡ ኣዝዩ ሕሱር ኣእምሮ ስለ ዝዀነ ምስ ኣእምሮ ኣይቊጸርንዩ። ኣእምሮ ብዘይብሉ ውልቀ ሰብን ህዝብን ድማ እግዚእብሄር ኣዝዩ ይቝጣዕ፡ ይቐጽዖን የውድቖንምበር፡ ከቶ ኣይምሕሮንዩ።

ህዝበይ ዓሻ ኣይፈልጠንን፡ ድንዙዛት ደቂዮም ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታትዮም፡ ሰናይ ንምግባር ግና ኣይፈልጡንዮም።. . . ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝቢሞ፡ ስለ እቲ ፈጣሪኡ ኣይድንግጸሉን እቲ ደኳኒኡ ድማ ኣይምሕሮን። . . . ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝብስ ኪወድቕዩ።ኤር 422 ኢሳ 2711 ሆሴ 414

ስለ መፈጸምታና ምእንቲ ኺጽብቕ፡ ኣእምሮና በዚ ቕዱስ ኣጽዋር ተማሪኹስ፡ ባዕሉ ነዚ ኣጽዋር ዓጢቑ ነእምሮ ናይቶም ኣብ እምነት ዘየለው ንምምራኽ ይዋግኣሉ ኸም ዘሎ ኸነረጋግጽ ይግባእ። እቲ ንስጋን መለኮትን ኣዋሂዱ ብምስጢር ተዋህዶኡ ዘድሓነና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  በቲ ዘይምርመር ኣእምሮኡ እንታይ ዓይነት ህይወት ክንነብር ከም ዚግብኣና፡ ዘይሃስስ ኣርኣያ ሓዲጉልናዩ። ቅዱሳን ሃዋርያቱ ነቲ ቕዱስ ኣርኣያኡ ብምስዓብ፡ ኣእምሮና እንታይ ኪመስል ከም ዘለዎን ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከም ዚግብኣናን፡ ናይ ቃል ትምህርትን ናይ ግብሪ ኣርኣያን ሓዲጎምልናዮም ሓሊፎም።ከም ኣነ ንክርስቶስ ዝመሰሎ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምስሉዚብል ንጹር መምርሒውን ሓዲጎምልናዮም (1ቈረ 111 416 ፊሊ 317 2ተሰ 37-10 1ጢሞ 412 ቲቶ 27,8)

 እምበኣር ኣእምሮና ንምእዛዝ ክርስቶስ ተማሪኹ ምህላውን፡ በቲ ዝተማረኽናሉ ኣጽዋር ከኣ ንብዙሓት ሰባት ናብ ምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኾም ከም ዘለናን ከም ዘየለናን ርእስና ንመርምር። ብዘይተማረኸን ዘይእዘዝን ኣእምሮ ምምልሳስ ማለት፡ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት ምፍጻም ምዃኑ ተገንዚብና፡ ንኸም ዝበለ ዜሰክሕ ጽሕፍቶ ርእስና ኣሕሊፍና ኸይንህብ ወርትግ ጥንቑቓት ንኹን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

11 ግንቦት 2025 | ግንቦት 3, 2016 ግዕዝ (መበል 35 ሰንበት: ቊ.፴፭/35)

ምስባክ

መዝ. ፫፡፭,፮ “አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ። ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ።”

“ተገምሰስኩ ደቀስኩ’ውን፡ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ’ሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን’የ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ቈሎ 3፡1-11

ዲያቆን

1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 13፡26-42

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 24፡33-40

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div