"ንሱ ድማ፡ ‘እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ’ዩ’ ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ’ በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም . . .”ሉቃ 24፡44-45። እዚ ናይ’ዚ ዕለአት ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ኻብ ዝገለጸልና ዓበይቲ ረብሓታት ትንሳኤ ሓደ፡ ምኽፋት ኣእምሮ’ዩ። ኣብዚ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ቅድሚ ሞቱን ትንሳኤኡን ብኣካል ስጋ ምሳታቶም እናተመላለሰን እናነበረን ከሎ፡ እቶም ሕቲ-ሙሴን፡ ትንቢት ነብያትን መዝሙራት ቅዱስ ዳዊትን ካልኦት ዘመርትን ብዛዕባኡ ዝበልዎ ዅሉ ቓላት በብሓደ እናልዓለ ይገልጸሎም ነበረ። ንመጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንሕና እንተ መርመርናዮም’ውን ዳርጋ ዅሉ ትሕዝቶኦም ብዛዕባ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።
ነዚ ሓቂ’ዚ ምግንዛብ ድማ፡ ነቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተገልጸ ምስጢራት ከም ዚግባእ ኣብ ምርዳእን እምነትካ ኣብ ምዕባይን ኣዝዩ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ጐይታ ንምትህርቱ ምስ ጽሑፋት ብሉይ ኪዳን እናዛመደ ዚምህረሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ ነበረ። እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ብነብያት ገይሩ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝተዛረበሉ ምኽንያት፡ እቲ ዝተነግረ ቓል ኪፍጸም ከሎ ምስ ረኣዩ፡ ወይ ከም ዝተፈጸመ ምስ ሰምዑ ምእንቲ ኺኣምኑ ኢሉ እዩ። ናይዚ መረጋገጺ ዝዀነና ድማ፡ ይሁዳ ኸም ዚጠልምን ንደቀ መዛሙርቱ ድማ መከራ ኸም ዚወርዶምን ምስ ነገሮም፡ “ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም ኣለኹ” (ዮሃ 13፡19)፡ “ጊዚኦም ምስ በጽሐት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ ነዚ (ኣቐዲመ) ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ’የ ኻብ መጀመርታ ነዚ ዘይነገርኩኹም።” ኢሉ ኣፍለጦም (ዮሃ 16፡4)። ኣብ ብሉይ ኪዳን’ውን ፡ ልክዕ እዚ ሓሳብት’ዚ ተደጋጊሙ ተጻሒፉልና ኣሎ (ኢሳ 48፡5)። ስለዚ ትንቢታት ፡ ነቶም ኣብቲ ዘመን’ቲ ዝነበሩ ተስፋ ኪዀኖም፡ ነቶም ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ዝተፈጠርና ድማ ንእምነት ኪዀነና’ዩ እተጻሕፈ። እዚ ሓቂ ምዃኑ ድማ፡ ኣብቲ ንቤት መቕደስ ቤት ዕዳጋ ካብ ምዃን ዘጽረየሉ መዓልቲ ተገሊጹ’ዩ። ፈሪሳውያን፡ “ከምዚ ትገብር ካብ ኰንካስ ፡ እንታይ ትእምርቱ ኸተርእየና ኢኻ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታ ድማ፡ “ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ” ኢሉ ሓደ ዓብይ ምስጢር ገለጸሎም። እቶም ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ዘይተዋህቦም ፈሪሳውያን ፈጺሙ ኺርድኦም ኣይከኣለን። ንሱ ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ’ዩ ዝተዛረበ። ደቀ መዛሙርቱውን ክሳዕ ትንሳኤ ኸም ሰቦም ኣይተረድኦምን፡ ድሕሪኡ ግና፡ “ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንስአ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎም ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ ኢየሱስ ዝበሎ ቓልን ኣመኑ።” ዚብል ምስክርነት ተጻሕፈሎም (ዮሃ 2፡18-22)። ቅድሚ ትንሳኤ እንታይ ኰይኖም’ዮም ነቲ ዝተጻሕፈ ቃል ትንቢትን ነቲ ጐይታ ዝብሎ ቓልን ኬስተውዕልዎ ዘይከኣሉ፧ ኣዝዩ ዜገርም ምስጢር እዩ። ወንጌላዊ ሉቃስ ብዛዕባ ዘይምስትውዓል ናይ ደቀ መዛሙርቱ፡ ደጋጊሙ “ኵላቶም ድማ ብዕብየት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኵላቶም በቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ዅሉ ኼስተንክሩ ኸለው ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪወሃብ’ዩ’ሞ ንስኻትኩም ነዚ ነገር’ዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትውዎ’ በሎም። ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ’ዚኣ ኣየስተውዓልዎን፡ ከየስተብህልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት እሞ፡ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ።” ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (ሉቃ 18፡31-34)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብጣዕሚ ዜፍርሕ’ዩ። እዞም ሕሩያት ሃዋርያት፡ ዝዀነ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣይነበሮምን። እቲ ናይ ጐይታ ቓል ድማ፡ ብላዕለ ላዕሊ ክትርእዮ ኸለኻ ብዙሕ ዝተሓላለኸን ከቢድን ኣይመስልን’ዩ። ናይ ብሓቂ ኸም ዘየስተውዓልዎ ድማ፡ በቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ ዘርኣይዎ ዘይምእማን ብዘየጠራጥር መገዲ ተረጋጊጹ እዩ።
ኣብዚ ኸቢድን ዝተናውሐን ዘይምስትውዓል’ዚ ኸኣ ሳልሳይ ኢድ ከም ዘለዎ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ከምቲ እግዚኣብሄር ምስትውዓልና ንምኽፋት ዚተግህ፡ ኣእምሮናን ምስትውዓልናን ንምድፋን ዚተግህ ሕሱም ጸላኢ ድማ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ እቲ እኩይ ድያብሎስ’ዩ። ንኣእምሮ ሰብ ደፊኑ ካብ ምስትውዓል ዚዓግት ንሱ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ’ዩ ዝተሰወረ። እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም’ዚኣ ንሓሳብ (ንኣእምሮ) ናይቶም ዘይኣምኑ ደፈኖ” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (2ቈረ 4፡3,4)። ጐይታና’ውን ኣብቲ “ምስላ ዘርእን ዘርእን” ዚብል ምስላኡ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ መገዲ ዝወደቐ ዘርኢ ኣዕዋፍ ከም ዚምንጥላኦ ድሕሪ ምንጋሩ፡ ንእኡ፡ “ቃል መንግስቲ ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ ዅሉ፡ እቲ ኽፉእ (ድያብሎስ) ይመጽእ’ሞ ነቲ ኣብ ልብ ዝተዘርአ ይምንጥሎ” ብምባል ተርጕሙልና ኣሎ (ማቴ 13፡3-9 ፣ 23፡26)። ስለዚ ብዘየደናግር መገዲ ብንጹርን ተደጋጋምን ዝስማዕካዮ ቓል ምስትውዓሉ እንተ ተሳኢኑካ፡ እቲ ኽፉእ ድያብሎስ ዕዮ ገዛኡ ኸም ዘስለጠ ርግጸኛ ምዃን ይከኣል’ዩ።
እምበኣር ከምዚ ዝበለ ነእምሮ ዚደፍን ንዝተዘርኣልካ ዘርኢ ድማ ቦግ ኣቢሉ ዚምንጥል ዝተራቐቐን ሕሱምን ጸላኢ ካብ ሃለወና፡ ኣብ ገዛእ ምስትውዓልና ኽንምርኰስ ከቶ ኣይግብኣናን’ዩ። ናይዚ ጸላኢ’ዚ ሕሰም ግና በዚ ጥራይ ኣይድረትን’ዩ። ከምታ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝገበሮ፡ ክፉእ ሓሳብ ናብ ኣእምሮና ኣስሊኹ ብምእታው’ውን የበላሽወና’ዩ (ዮሃ 13፡2)።
ኣእምሮና እንተ ተደፊኑን ብርኹስ ሓሳባት እንተ ተበኪሉን ድማ፡ ኵሉ ኣካይዳና’ዩ ዚበላሸው። መጽሓፍ ቅዱስና ንልብን ኣእምሮን ከም ተተኻኻኢ ቓል’ዩ ዚጥቀመሉ። ስለዚ ድማ፡ “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ (ንኣእምሮኻ) ሓልዎ”፡ “ወደየ ልብኻ ሃበኒ” ኢሉ ይምሕጸነና (ምሳ 4፡23 ፣ 23፡26)። ነዚ ለቢስናዮ ዘሎና ስጋና ቕዱስ ቤተ መቕደስ ኣምላኽን ህያው፡ ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርና ኸነቕርቦ እንኽእል፡ በቲ ናይ ኣእምሮና መንፈሳዊ ኣገልግሎት እዩ። ኣእምሮና ንኣምላኽ እንተ ዘይተቐዲሱ ግና፡ መስዋእትና ዀነ መቕደስና ብምሉኡ ርኹስ’ዩ ዚኸውን፡ ስለዚ ነእምሮና ብምሕዳስ ንክርስቶስ ናብ ምምሳል ክንልወጥ እምበር ነዛ ርኽስቲ ዓለም ከይንመስላ ጽኑዕ ሃዋርያዊ መጠንቀቕታ ተዋህበና። ነቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ መርሚርና ኽንፈልጦን ኣብ ህይወትና ኽንነብሮን እንኽእል ኣእምሮና ብብርሃን ትንሳኤኡ ምስ ዚበርህን ምስ ዚፍወስን’ዩ (ሮሜ 12፡1,2)። እቲ ካብ ረብሓ ትንሳኤ ዘይተኻፈለ ሰብ ግና ኣእምሮኡን ዓይነት ህይወቱን እንታይ ከም ዚመስል፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እምበኣርሲ ኸምቲ ኣህዛብ ብናይ ክንቱ ሓሳቦም ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብል ብጐይታውን እምስክር ኣሎኹ። ንሳቶም ፡ ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰ
ሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ።” ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ (ኤፌ 4፡17-19)። እቶም ደቂ ትንሳኤ ግና፡ ኣተሓሳስባ ኣእምሮኦም ብመንፈስ ቅዱስ ተሓዲሱ፡ ነቲ ብመልክዕ ንኣምላኽ ዝተፈጥረ ንኣምላኽ ዚመስል ሓድሽ ሰብ ስለ ዚለብሱ ብሓቅን ብጽድቅን ብቕንዕናን’ዮም ዚመላለሱ (ኤፌ 4፡20-24)። እቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ኣእምሮኦም ዝጸልመተ ሰባት፡ ብናይ ዓለም ትምህርትን ጕዳያትን ኣዝዮም ሊቃውንቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠት ኣእምሮኦም ግምት ሂቦም ኬቋጽርዎ ስለ ዘይፈቕዱ ግና፡ እግዚኣብሄር ከኣ በቲ ጻድቕን ፍትሓውን ፍርዱ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ይህቦም (ሮሜ 1፡28)። ነቲ ዘየስተውዕል ልቦም ከም ሲኦል የጸልምቶ እሞ፡ ለባማት ዝዀኑ እናመሰሎም፡ ብዘለኣለማዊ ዕሽነት ይወሓጡ (ሮሜ 1፡21-23)።
ዝኸበርካ ፍቁር ክርስትያን፡ ናብ ርእስኻ ምልስ በል’ሞ ብዝተኸፍተ ኣእምሮ ወይ ከኣ ብዝተደፍና ኣእምሮ ትመላለስ ምህላውካ ርእስኻ መርምር። ብርሃን ትንሳኤኡ ኣብ ኣእምሮኻ ኣብሪሁልካዶ ይኸውን፧ ወይስ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ከም ሓደ ተራ ፌስታ (ጽምብል) ኣብዒልካ እትሓልፎ ማሕበራውን ባህላውን ተርእዮ ጥራሕ’ዩ። ጐይታና ነቶም ምሉእ ህይወቶም ዝወፈዩሉ ቕዱሳን ሃዋርያት ነቲ ብፍርሃት ዝተደፍነ ኣእምሮኦም ከፊቱ ብብርሃን ትንሳኤኡ ምስ ደጕሖ፡ ንኹሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዕምቈት ኣስተውዓልዎ፡ ዓይነት ህይወቶም ድማ ኣዝዩ ተለወጠ። ስለዚ ንስኻውን ኣብቲ ባህርያዊ ምስትውዓል ናይ ኣእምሮኻ ኣይትመርኰስ። ብሓቂ ኣብቲ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝቖመ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ኣእምሮኻ ብክርስቶስ ከም ዝተኸፍተ፡ ብርሃን ትንሳኤኡ ኸም ዝበርሃሉ፡ ሓሳብ ትንሳኤ ኺሓስብ፡ ነቲ መቕደስን መስዋእትን ዝዀነ ስጋኻ ድማ ናብራ ትንሳኤ ኺነብር ከም ዘኽእሎ ኣረጋግጽ። ናብዚ ጸጋ’ዚ ገና ዘይበቓዕካ እንተ ዄንካ ድማ፡ ነቲ ንሱ በይኑ ንኣእምሮ ኪኸፍት ዚኽእል ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቕኑዕን ቅቡልን ጸሎት፡ “ኦ ! ንጉስ ትንሳኤ፡ ነዚ ምስትውዓል ዝረሓቖ ዕጹው ኣእምሮይ ክፈተለይ” ኢልካ ተማሕጸኖ!! ንሱ ደንጋጽን መሓርን’ዩ’ሞ ብረብሓ ትንሳኤኡ ኪባርኸካ እዩ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፡ ሰንበት ሰነ 09, 2018 (ሰነ 2, 2010 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 67/68፡32-33 “ነገሥተ ምድር ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር። ወዘምሩ ለአምላክነ። ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘዓርገ ውስተ ሰማይ።” “ኣቱም መንግስታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ. . . ” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
ሮሜ 10፡1-13 |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ሉቃ 24፡44-ፍጻሜ |
1ጴጥ 3፡ 15-ፍጻሜ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም) |
ግብ 1፡1-11 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ