ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ነሐሴ 8 ክሳዕ ነሐሴ 14 ንዘሎ ቕንያት “ዛቲ ይእቲ ማርያም” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ማለት “ዛቲ ይእቲ ማርያም። ማኅደረ መለኮት እንተ ተሰምየት፡ ሰንበተ ክርስቲያን። በከመ ይቤ ዳዊት በመዝሙር፡ አንሣእኩ አዕንቲየ መንገለ አድባር። አድባረ ድኁኃን ተሰምየት ዛቲ ይእቲ ቅድስት ድንግል። ተዓቢ እምኵሉ ፍጥረት፡ ኢያውዓያ እሳተ መለኮት።” ትርጉሙ ከአ ንሳ ማርያም እያ። መሕደሪ መለኮት ዝተባህለት ሰንበት ናይ ክርስቲያን። ከምቲ ዳዊት አብ መዝሙሩ ዝበሎ “ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ።” መዕቆቢት ኸረን ድሑናት ዝተባህለት ንሳ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።
ካብ ኩሉ ፍጥረት ትዓቢ፡ መለኮታዊ ሓዊ ዘየንደዳ”ይብል።ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት፡ “ዮም ንወድሳ ለማርያም” (ገበርቲ ፍቓድ አምላኽ) ዚብል ኣርእስቲ ምርኣይና ዚዝከር እዩ። ኣብ ጊዜ ጾምን ጸሎትን ናይ ፍልሰታ ከም ዘሎና መጠን ነቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ንእግዚአብሄር ዘስመረትሉ ህይወት ክንወርሶ፡ ብጾምን ጸሎትን ጥራይ ዘይኮነስ ብትምህርቲ ፍልጠት እውን ክንዓቢ ስለ ዝግብኣና ናብ ታሪክ ህይወት ቅድስት ድንግል ማርያም ምልስ ኢልና ካብ ወንጌል ምርኣይ ከድልየና ኢዩ።
ኣብዚ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበ ወንጌል፡ እቲ መልኣኽ ናብ ሓንቲ ድንግል ተላእከ። ስማ ድማ ማርያም እዩ። ትርጉም ናይ ስማ ከኣ “ብእግዚኣብሄር ዝዓበየት” ማለት እዩ።ንሳ ኣብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ትቕመጥ ነበረት።እዛ ገብርኤል ዝኸዳ ዘሎ ሰብ ከኣ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጠት ድንግል ነበረት። እዚ ድንግልና እዚ ኣብ ምምራጽ ማርያም ዓቢይ ግደ ነበሮ። ምኽንያቱ እቲ ዝውለድ ቅዱስ ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ ንሳ ድንግል ክትከውን ብግዲ እዩ። ካልእ እንርእዮ ድማ ዝተሓጽየት ምንባራ እዩ። ከምቲ እንርድኦ ሕጽይቲ ማለት ዝተሓለወት ማለት እዩ። ማለት ነቲ ዝተሓጽያ ክትከውን ትሕሎ ንሳ’ውን ንርእሳ ትሕሉ ማለት እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ማርያም ጠኒሳ ምስ ተረኸበት፡ ዮሴፍ ብሕቡእ ክሓድጋ ዝሓሰበ። ትርጓሜ ወንጌል ከም ዝገልጾ ዮሴፍ ናብ ጉባኤ አይሁድ ስለዝተዓደመ እዩ። ብኅቡእ ክኃድጋ ሓሰበ ዝበሎ።
እቲ መልኣኽ ማርያም ምልእቲ ጸጋ ምዃና መስከረ። አብ ርእሲ ድግልናኣ፡ ብጸጋ ዝመልኤት ምዃና ኣዝዩ ብሉጽ ባህርያ ነበረ። እግዚኣብሄር ምስኣ ምንባሩን መድሓኒአ ምኳኑን ድማ ናይ ሓጎሳ መሰረት እዩ። ምኽንያቱ “እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ’ሞ ባህ ይበልኪ” ኢሉ እቲ መልኣኽ ስለዘበሰራ እዩ። ቅድስሪ ድንግል ማርያምውን ክትጽሊ ከላ “ብአምላኸይ በቲ መድሓኒየይ።” ኢላ ጸልያ ኢያ። ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ምዃና’ውን ተነጊርዋ። ካብ ኣንስቲ ካብ እተወልዱ ዮሃንስ መጥምቕ እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ፡ ከምኡን ማርያም ካብተን ዝተወልዳ ኣንስቲ ኩለን ብርኽቲ ምዃና ቅዱስ ገብርኤል መልአኽ አበሲርዋ እዩ። ምኽንያቱ ኩለን ኣንስቲ ብርክብ ስጋን ብምልዓል ትምኒትን ክወልዳ ከለዋ፡ ማርያም ግን ብድንግልና እሞ ብዘይ ትምኒትን ርክብን ናይ ስጋ ብምውላዳ፡ ናይ ብሓቂ ናይ በረኸት ዓቢይ ምልክት እዩ። እቲ ካልእ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ዝገበራ ከኣ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣምላኽ ኣብ ማህጸና ብምጻራ እዩ። ሓደ እዋን ንጐይታ፡ ሓንቲ ሰበይቲ “ዝጾረትካ ከርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብጹኣን እየን” ምስ በለት ንሳቶም ዘይኮኑስ፡ “እቶም ንቃለይ ሰሚዖም ዝሕልዉ እዮም ብጹኣን” በላ (ሉቃ 11፡27-28)። ስለዚ ብጽእና ማርያም ኣብ ምጻር ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ምስማዕ ምእዛዝን ናይቲ ጸይራቶ ዘላ ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ዝምርኮስ እዩ (ዮሃ 2፡5)።
እዚ ሕጂ ንማርያም ከም ብስራት ዝንገራ ዘሎ ኣቐዲሙ ብነብዪ ኢሳይያስ ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ (ኢሳ 7፡14)። ስለዚ እቲ መልኣኽ ፍጻሜ ናይቲ ትንቢት ኣብ ህይወት ማርያም እዩ ዘበስር ዘሎ። ከምኡ’ውን መልኣኽ እግዚኣብሄር ንማርያም ጥራይ ዘይኮነ ንዮሴፍ’ውን ነዚ ነገር እዚ ገሊጽሉ ነበረ (ማቴ 1፡21)። ከምቲ ካብቲ ጽሑፍ እንርእዮ “ኢየሱስ” ማለት “መድሓኒ” ማለት እዩ።
“ንሱ ዓቢይ ኪኸውን ወዲ ልዑል’ውን ኪብሃል እዩ” መንነት ናይቲ ዝውለድ ሕጻን ክገልጸላ ጀሚሩ። እቲ ዝውለድ ሕጻን ዓቢይ ኪኸውን እዩ፡ ወዲ ልዑል ተባሂሉ ድማ ኪስመ እዩ። እዚ ስም እዚ መልኣኽ ጥራይ ዘይኮነ ኣጋንንቲ ከይተረፉ’ውን ሰምዮምዎ እዮም (ማር 5፡7፣ ሉቃ 6፡35፣ግብ 16፡17)። ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ከምዝወርስን እውን ኣብዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ብዙሕ ጽሑፋት ተረጋጊጹ ኣሎ (2ሳሙ 7፡12፣ መዝ 2፡6)።
እቲ ሕቶ ናይ ማርያም ኣዕሚቝና እንተዘይርኢናዮ፡ ካብ ዘይምእማን ዝተላዕለ ዝተሓተተ ሕቶ ክመስል ይኽእል እዩ። ግን ኣይከምኡን እዩ። ሰበይቲ ሰብኣይ ከይፈለጠት ክትወልድ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ ከመይ ኢሉ ከምዝኸውን ንኽትፈልጥ ዝሓተተቶ ሕቶ ደኣ እምበር፡ “እዝስ ኪኸውን ዘይክእል እዩ” ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘለ ሕቶ ኣይኮነን። ማርያም ዋላ ከምኡ እንተበለት’ውን፡ ነቲ ዘረባኣ ከም ዘረባ ዘካርያስ ብዙሕ ክንነቕፎ እንኽእል ኣይመስልን። ምኽንያቱ:
ሀ). መኻናት ዝነበሩ ክወልዱ ካብ ኣብርሃምን ሳራን ጀሚሩ ዝነበረ ታሪኽ እዩ። ድንግል ክትጥንስን ክትወልድን ግን መጀመርያ ጊዜ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።
ለ). ዘካርያስ ብዕድመ ዝደፈአ ሽማግለ እዩ። ስለዚ ከኣ ኣብ ዘመን ህይወቱ ብዙሕ ስራሕ ኣምላኽ ከምዝረኣየ (ጻድቕ ከም ምዃኑ መጠን) ኣየጠራጥርን። ማርያም ግን ንእሽቶ ድንግል እያ።
ሐ). ዘካርያስ ነብዪን ካህንን ዝነበረ ሰብኣይ እዩ። ስለዚ ከም ኣገልጋሊ መጠን ዝሓሸ ርድኢትን እምነትን ክህልዎ፡ዝኾነ ሰብ ዝጽበዮ እዩ። ማርያም ግን ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ኣይነበራን።
ንሕቶ ማርያም፡ እቲ መልኣኽ ግቡእ መልሲ ኪህብ ከሎ ንርኢ። ክርስቶስ ካብ ማርያም ስጋ ክለብስ፡ ማለት ምስጢረ ስጋዌ ክፍጽም ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስን እግዚኣብሄር ኣቦን ኣብኡ ከምዝሓበሩ የርእየና። እዚ ድማ ሓድነትን ሰለስትነትን ናይ ኣምላኽ ብንጹር ይምህረና። ኣብቲ ዝፍጸም ዘሎ ምስጢር ኲሎም ይዋስኡ ነበሩ። ስለዚ ድማ እቲ ቓል ዝኾነ ክርስቶስ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ብሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦን ኣብ ማርያም ስጋ ከምዝለብስ ኮነ። ስለዚ ክርስቶስ ከም ፍቓድ ስጋን ደምን ዘይኮነስ ከም ፍቓድ እቲ ቅዱስ ኣቦኡ ስለዝተወልደ፡ ከም ፍቓድ እቲ ቅዱስ አቦኡ ክንብል ከሎና ፍቓዱን ፍቓድ አቦኦን ፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ እዩ። ሥላሴ ብፍቓድ፡ ብስልጣን፡ ብመለኮት፡ ብባህሪ ሓደ እዮም። ካብ ሓጢኣት ከኣ ነጻ ስለዝኾነ “ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ” ዝብል ስም ክጸውር በቕዐ (2ቆረ 5፡21፣ 1ዮሃ 3፡5)።
ከምቲ እቲ ቓል ኣብ ማርያም ሓዲሩ ስጋ ንኪኸውን መንፈስ ቅዱስ ዘድለየ (ማቴ 1፡18,20)፡ ከምኡ ድማ ነቲ ንሕና ዝሰማዕናዮ ቃል ኣብ ልብና ሓዲሩ ምሳና ምእንቲ ክወሃሃድ መንፈስ ቅዱስ ከምዜድሊ የርእየና (ኤፌ 1፡13)። እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ እቲ ጥንሲ ከመይ ኢሉ ከምዝፍጸም ምስሓበረ፡ ነዚ መረጋግጺ ዝኸውን፡ ንቓሉ ዘረጋግጽ ምስክርነት ኪህብ ጀመረ። ኣሽንኳይ ኣብ ህያው ማህጸን ግናኸ ዕጽው (ድንግል)፡ ኣብ ዝሞተ ማህጸን እኳ ህይወት ክዘርእን ከዕብን ንኣምላኽ ከምዘይሰኣኖ ነገራ። ኣብ ናይ ሕክምና ዓለም ድንግል ክትወልድ ደኣ እዩ ዘይከኣል እምበር ድንግል ክትጠንስ ይከኣል እዩ። ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር ከምዜልቦ ከኣ ኣብ ቅዱሳን ጽሑፋት ተረጋጊጹ እዩ (ኤር 32፡17፣ ሉቃ 18፡27፣ ሮሜ 4፡21)። እዚ ምስክርነት እዚ ንሕቶ ማርያም ከም ዝምልሶ ዘየጠራጥር እዩ። ውጽኢት ናይዚ ምስክርነት እዚ ከኣ ኣብዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ክንርኢ ኢና።
“እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ” በለት። እቲ ምስክርነት ኣብ ማርያም ዘምጽኦ ውጽኢት ብግሁድ ይረአ ኣሎ። ማርያም ነቲ ዝተባህለላ ነገር “እስኪ እንተኾይኑ ንርእዮ” ዘይኮነስ “ከምኡ ይኹነይለይ” ኢላ ብእምነት ተቐበለቶ። ማርያም ምስቲ ዝሰምዓቶ ቃል ብስራት ብእምነት ስለዝሓበረት ማሕደር ኣምላኽ ክሳዕ እትኸውን ክሳዕ ክንድዚ ጠቐማ (እብ 4፡2)። ንሕና’ውን ከምኡ፡ ቃል ኣብ ዝተነግረልና እዋን፡ ነቲ ዝተነግረልና ቃል ብእምነት ምሕባር ጥራይ እዩ ዘድልየና። ምኽንያቱ ንኣምላኽ ብዘይ እምነት ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ (እብ 11፡6)።
ከም ናይ ቅድስቲ ማርያም “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር” ዝብል ናይ ትሕትና ቃላት ንርእሱ ዓቢይ ትምህርቲ ይህበና እዩ። ናይ ኣምላኽ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ከም ባርያ ናይ እግዚኣብሄር ይሰምዩ ነበሩ። ኤልሳቤጥ “ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ ፍረ ከርስኺ’ውን ብሩኽ እዩ” ብምባል ናይ ማርያምን ናይቲ ፍረ ከርሳ በረኸትን ኣሕቢራ ክትጠቅስ ከላ ንርኢ። እዚ ድማ ንናይ ማርያም በረኸት ምኽንያት እቲ ጸይራቶ ዘላ ፍረ ከርሲ ምዃኑ ይሕብረና።
ማርያም ቅዱስ ገብርኤል መልአኽ ብዛዕባ ጽንሲ ናይ ኤልሳቤጥ ስለ ዘበሰራ፡ ነዚ ምስጢር ብስራት፡መሰረት ጌራ እያ ናብ ኤልሳቤጥ ከይዳ። እዚ ምብጻሕ እዚ ከአ ነቲ ጐይታ ሰማይን ምድርን ኣብ ከብዳ ጸይራ ስለ ዝመጸት እዩ። ንኤልሳቤጥ “ኣደ ጐይታ ናባይ ክትመጺ እዚ ካበይ ኮነለይ” ዘብላ ዘሎ ከኣ ነቲ ጐይታ እውን ምስ ማርያም ስለዝተቐበለቶ እዩ። እዚ ረቂቕ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተደረኸ መለኮታዊ ሓጐስ ድማ ንኤልሳቤጥ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ዕሸል፡ ከምቲ ንኣኣ ብዓቢይ ድምጺ ዘጨደራ፡ ንእኡ ድማ ከም ዘሰራሰሮ ገለጸት።
ብዘይካ እዚ ዂሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቃላት፡ ኣብ መደምደምታ ሓደ ዓብይ ቃል ተዛረበት። እዚ ድማ እግዚኣብሄር ነቲ ዝተዛረቦ ከምዝፍጽሞ ብምርግጋጽ እዩ። ኣምላኽ ተዛሪቡ ከይተፈጸመ ዝተረፈ ነገር ዋላ ሓንቲ የልቦን። ኣሽንኳይ ከይተፈጸመ ክተርፍሲ፡ ካብቲ ዝተመደበሉ ጊዜ እኳ ኣይድንጉን እዩ (ህዝ 12፡25,28፣ ዘሁ 23፡19፣ 1ሳሙ 15፡29፣ ህዝ 24፡14)። እቲ እተነግረላ ነገር ገና ከይተፈጸመ ከሎ ብእምነት ስለዝተቐበለቶ ብርኽቲ ምዃና ተነግራ። እዚ ካብቲ ልዕሊ ኩለን ኣንስቲ ብርኽቲ ዝገብራ ነጥብታት ሓደ እዩ። ከምቲ ኣብርሃም ምስ ኣመነ ንጽድቂ እተቖጽረሉ ከምኡ ድማ ንማርያም ንበረኸታ ከምዝተቖጸረላ ንርኢ (ሮሜ 4፡20-22)።
ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበ “ከምቲ ንሱ አብ ብርሃን ዘሎ፡ አብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና። ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢአትና የንጽሃና እዩ።(1 ዮሓ 1:7)። ዝበሎ ዝተፈተኩም ሕዝቢ እግዚኣብሄር ኣብዚ ሰሙን ቤተ ክርስቲያን ክንሓስቦን ከነስተውዕሎን ደልያትና ዘላ፡ ኩሉ ጊዜ ነቲ መጋባይን ሓብሓባይ እግዚኣብሄር ክንዝክሮ፡ ብፍላይ ምስ እዚ ወቅቲ ጾምን ጸሎትን ምህላውና ፡ቅንዕ ኢልና ሰማይ ብከዋክብቲ ዘመልክዔ ጥበቡ ክንደይ ዓቢ ሙኻኑ ንሕሰብ፡ ነንዕለቱ ንደቂ ሰባት ዘድልዮም በረከት ነቲ ክፉእ ግብሪ ደቂ ሰባት ከይረአየ ዝህብ እግዚኣብሄር ብምሕረቱን ብበረኸትን ዝምግብ አምላኽ፡ ጥበቡን ስርሑን፡ ድንቂን መስተንክር እዩ፡፡ እሞ ሎሚ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ነቲ ዘደንቅ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝገበሮ ሪኢና፡ ነመስግኖ ኣሎናዶ፧ ሎሚ ኣብዚ ዘመን እዚ ኪኖ እቲ ሰራሕ ኩሉ እግዚኣብሄር ነቲ ስሩሕ ሪኢና ጥበቡን ውዕሎቱን ረሲዕናዮ ከይንህሉው ርእስና ንመርምር፡፡ ከምቲ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም “እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ’ሞ ባህ ይበልኪ” ዝተባህለቶ አብዚ ጾምን ጸሎትን ከነስተውዕሎ ዝግባአና ፡ኣምላኽ ምሳና እዩ።”እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ።” ንሕሰብ አብዚ ከቢድ ጊዜ ፡ኢኮነሚ ዓለም ኣብ ቅልውላው አብዘለዎ፡ ሕማም ለበዳ ብዙሓት ሕዝብ አብ ዘርግፈሉ ዘሎ ሰዓት ሃዲና ከነስተውዕል ይግባእ።“ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧ ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ . . . ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።” ኢልና ከምቶም ቅዱሳን ደው ክንብል እግዚኣብሄር ይሓግዘና። ኣሜን።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሰንበት 16 ነሓሰ 2020 (ነሓሰ 10, 2012 ግእዝ) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል፡ |
ቅዳሴ፡ |
ዕብ 11፡8-16 |
1ዮሓ 1፡1-7 |
ግብ 27፡39-44 |
ሉቃ 1፡25-35 |
ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ) |
መዝ 131/132፡13-14 እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ለጽዮን። ወአብደራ ከመ ትኩኖ ማኅደሮ።ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም። “እግዚኣብሄር ንጽዮን ሓርይዋ እዩ እሞ፡ መሕደሪኡ ኽትከውን በሃጋ፡ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፣ ብሂገያ እየ እሞ፣ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።” ዓዲ መዝ 120/121፡ 1-2 “አንሣእኩ አዕይንቲየ መንገለ አድባር። እምአይቴ ይምጻእ ረድኤትየ። ረድኤትየሰ እምኀበ እግዚአብሔር።” “ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ