ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ዘምሩ ለእግዚአብሔር ጻድቃኑ።እስመ ተንሥአ ክርስቶስ እሙታን። ትርጉም “ ጻድቃኑ ንእግዚአብሔር ዘምሩ፡ ክርስቶስ ካብ ምውታት ተንሲኡዩሞ።” ኣብዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ነዚ ዕለት’ዚ ሰሪዓቶ ዘላ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ፡ ጐይታና ነቶም ሽዑ ብኣካል ምስኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን ነቶም ድሕሪኦም እንኣምን ኵላትናን፡ ኣዝዩ ዓብይ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ መጸናንዒ ኸም ዚሰደልና ዚገልጽ ተስፋ’ዩ። ዳርጋ ዅላትና ብጓህን ሓዘንን ስለ እንሓልፍ፡ መጸናንዒ ምርካብ ማዕረ ኽንደይ ከም ዜገድሰና ዚስሕቶ ሰብ ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። እቲ ንልባትና ኻባና ንላዕሊ ዚፈልጦ ጐይታ ድማ፡ ኣድላይነት ምጽንናዕ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚርዳእ፡ መጸናንዒ ኸም ዚሰድደልና ባዕሉ ኣተስፈወና። እዚ ቓል ተስፋ’ዚ ድማ ኣብ ልብና ሓዲሩ፡ ኣርእስቲ ጸሎት ይዀነልና እሞ፡ እግዚኣብሄር ኬጸናንዓና ኽንጽልይ ይድርኸና።
እዚ፡ “መጸናንዒ” ተባሂሉ ዘሎ ድማ፡ እቲ ሳልሳይ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ከም ፍጹም ኣምላኽ መጠን ኵሉ ዚፈልጥ፡ ልብን ኰላሊትን ከኣ ዚምርምር ኣምላኽ’ዩ። ጐይታና ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እዚ መንፈስ’ዚ ሓንሳእ ኣብ ውሽጥና ምስ ሓደረ፡ ንዘለኣለም ምሳና ዚነብር’ዩ1። ኣብ ጊዜ ሓጐስና ዀነ ኣብ ጊዜ ሓዘንና ኻባና ፈጺሙ ስለ ዘይፍለይ፡ ብቑዕን ሓቀኛን መጸናንዒ’ዩ። ሰብ፡ ንውሽጥና ስለ ዘይፈልጥ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ተሓቢኡ ዜሳቕየናን ዜሕዝነናን እንታይ ምዃኑ ኺርድኣልና ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ ንጊዜኡ ኼደዓዕሰና እምበር ብምልኣት ኬጸናንዓና ኣይክእልን’ዩ። እቲ ብረድኤትን ምርሒትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ዜጸናንዕ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ኻልእ ኵሉ ሰብ ግና ዘይጠቅም መጸናንዒ’ዩ።
እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ግና፡ ብዘይካ’ቲ ባዕሉ ብውሽጥና ዚህበና ምጽንናዕ፡ ንምጽንናዕ ዚዀኑ ኻልኦት ምንጭታት ኪጥቀም ዚኽእል ምዃኑ እቲ ዝበለጸ መጸናንዒ ይገብሮ። ንሰባት፡ ንዅነታት፡ ንቓል-እግዚኣብሄር ተጠቒሙ ዓብይ ምጽንናዕ ኪህበና ይኽእል’ዩ። ሰባት፡ ብቓል ይኹን ብግብሪ ዜጸናንዕ ተግባር ኪፍጽሙ ኼለዓዕሎም፡ ኪድርኾም፡ ኬወሃህዶም ይኽእል’ዩ። ብሓደ ዅነታት ዓሚቝ ጓሂ ኣብ ዝተሰምዓካ እዋን፡ ነቲ ጓሂኻ ውሒጡ ዜጥፍእ፡ ዜጕድል ወይ’ውን ክትቅበሎ ዜኽእል ካልእ ኵነታት ብምፍጣር ምጽንናዕ ይህብ’ዩ። (ዮሃ 14፡16,17)
ኵሉ ጊዜ ግና፡ እቲ ነጻ ፍቓድን ምስትውዓልን ናይ ወዲ-ሰብ ወሳኒ ተራ ኸም ዘለዎ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። ሓደ ሰብ፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ካብ ጓሂኡ ኼጸናንዖ ኢሉ ዚገብሮ ገድሊ ኼስትውዕሎ ወይ’ውን ዘይከስተውዕሎ ዚከኣል’ዩ። ዋላ እንተ ኣስተውዓሎ’ውን፡ ኪቕበሎ ወይ ዘይኪቕበሎ ኣብቲ ናቱ ነጻ ፍቓድ ዚምርኰስ’ዩ። ወዲ ሰብ ካብ ንምጽንናዕ ንላዕሊ ነቲ ጓሂ ኺመርጾ ብዙሕ ጊዜ ተራእዩ እዩ። እቲ ወሳኒ እምበኣር፡ እቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምጽንናዕ ናይ ምሃብ ጽቡቕ ፍቓድን ብቕዓትን ዘይኰነስ፡ እቲ ናይቲ ውልቀ ሰብ ድልየትን ምቕባልን እዩ። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኣመንጊጉ ኣየጸናንዕን’ዩ። ነቶም ንእኡ ዜፍቅሩ፡ ንእኡ ዜሐጕስ ጥራሕ ዚሓርዩ፡ ብእኡ ዚምርሑ፡ ንፍቓዱ ዚፍጽሙን ዜኽብሩን’ዩ ዜጸናንዕ። እቶም ከምዚ ዝዓይነቱ ህይወት ዘለዎም ሰባት፡ ንምጽንናዕ ብዘይካ ኻብቲ ወሃቢ መንፈስ ቅዱስ ካብ ካልእ ኣይደልይዎን፡ ኣይጽበይዎን ከኣ’ዮም። ነቲ ንሱ ብረቂቕ ጥበቡ ዚገብረሎም ግብሪ ምጽንናዕ የለልይዎን የስተውዕልዎን እምበር ኣይስሕትዎን’ዮም። ካብ ፍቓዶም ንላዕሊ ንፍቓዱ ስለ ዜኽብሩ፡ ነቲ ብፍቓዱ ዚሓልፍዎ ዘለዉ ዅነታትን ነቲ ናቱ ምርጫ ናይ ምጽንናዕን፡ ብጸጋን ብሓጐስን’ዮም ዚቕበልዎ።
እቲ ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ህይወቱ፡ ንማለቱ’ኳ ዘይዝክሮ፡ ንገዛእ ርእሱ እምበር ንመንፈስ ቅዱስ ዜሐጕስ ዘይሓርይ፡ ፍቓድ ናይቲ ዝሓደሮ ኽቡር መንፈስ ኪግህስን ኬፍርስን ዚነብር፡ ዜሕዝን ኵነታት ኣብ ዘጋጠሞ እዋን ጥራሕ ንመንፈስ ቅዱስ ዚደልዮን ናቱ ምጽንናዕ ዚብህግን ሰብ ግና፡ መንፈስ ቅዱስ ኬጸናንዖ ኪጽበይ ኣይግብኦን’ዩ። ብኣንጻሩ እቲ ኣብ ውሽጡ ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ’ዩ ምጽንናዕ ዜድልዮ። ከምኡ ጌርና ምእንቲ ኸይንብድሎ ድማ’ዩ፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፦“ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ።” ብምባል ዘጠንቀቐና (ኤፌ 4፡30)። ነቶም ንእኡ ንምጕሃይ ዝተዓጥቁ ሰባት እንታይ ከም ዚገብሮም ድማ፡ “ንሳቶም ግና ዓለዉ፡ ንቕዱስ መንፈሱ ኸኣ ኣጕሃዩ፡ ስለዚ ጸላኢኦም ኰነ፡ ባዕሉ’ውን ተዋግኦም።” ብምባል ነብዪ ኢሳይያስ ገሊጹልና ኣሎ (ኢሳ 63፡10)። እምበኣር፡ ንባዕሉ ነቲ መጸናንዒ እናኣጕሃኻ፡ ካብኡ ምጽንናዕ ምጽባይ ድርቅናን ላግጽን እምበር ጥዕና ዘለዎ ትጽቢት ኣይኰነን።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብምስጢረ ሜሮን ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ካብ ዘጸገወትና ዕለት ጀሚርና እምበኣር፡ ነቲ ምንጪ ምጽንናዕ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ብዜኽብር ህይወት ክንነብር ይግብኣና። ንዘለኣለም ኣብ ውሽጥና ኺነብር ዝተዋህበና መንፈስ’ኳ እንተ ዀነ፡ ሉኣላዊ ፍቓድን ስልጣንን ዘለዎ መለኮታዊ ኣምላኽ ምዃኑ ኸኣ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። መስፈር ሓጢኣትና መሊኡ፡ ኪኖ ደረት-ንስሓ እንተ ሓሊፍና’ሞ ንሓዋሩ እንተ ቐቢጹና፡ ሓዲጉና ኺወጽእን ንሓዋሩ ኺፍለየናን ይኽእል’ዩ። ንጉስ ሳኦል፡ ናይዚ ዜሕዝን ታሪኽ፡ ዓይነታዊ ኣብነት’ዩ። ካብ ምድላይ ዝጠፍኣ ኣእዱግ ወሲዱ ንንግስነትን ንነብዪነትን ምስ ቀብኦ፡ ዘይነበሮ ኻልእ ሓድሽ ልቢ ሃቦ። ሳኦል ግና፡ መን ልዕል ከም ዘበሎ ግዲ ዘንጊዑ ዀይኑ፡ ንፍቓድ ናይቲ ዘኽበሮ መንፈስ ቅዱስ እናረገጸ፡ ከም ፍቓድ ርእሱ ምግባር ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኪፍለዮ ኸም ዝመረጸ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር፡“መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሳኦል ረሓቐ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ መንፈስ ይሳቕዮ ነበረ።”ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (1ሳሙ 16፡14) ስለዚ ጸላኢ መንፈስ ቅዱስ ክትከውን እንተ መሪጽካ፡ ምጽንናዕ ዘይኰነስ ብቕዛነትን ብጭንቀትን ክትሳቐይ፡ ንዜሳቕዩ ርኹሳት መናፍስቲ’ዩ ኣሕሊፉ ዚህበካ። ስለዚ ድማ፡“መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ።”ተባሂልና ተማዒድና ኣሎና (1ተሰ 5፡19)።
ንጉስ ዳዊት ኣብ ባትሴባን ኡርያን በዓል ቤታን ዜነውር ዓመጻ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እቲ ዝወዓሎ ኣበሳ ንመንፈስ ኣምላኽ ዜርሕቕ ከቢድ ኣበሳ ምዃኑ፡ ቀልጢፉ ተገንዘበ። ከይደንጐየ ድማ ናብ ኣምላኽ፦“ዎ ኣምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፡ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ። ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።” ብምባል ጸለየ (መዝ 51፡10-12)።
ኣጸቢቕና ኸነስተውዕለሉ ዚግብኣና ሓደ ነጥቢ ግን ኣሎ። ንሱ ኸኣ “መንፈስ ቅዱስ ንኸመይ ዝበለ ጓሂ’ዩ ዜጸናንዕ፧” ዚብል’ዩ። ኣብ መስርሕ ህይወት ንሰባት ዜጋጥምዎም ዜጕህዩ ዅነታት ብዓይነቶም ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም። ገሊኡ ዓይነት ጓሂ፡ ብባህርዩ ዓለማውን ካብ ጽድቂ ዚዕንቅፍን ዘይተደላዪ ጓሂ’ዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ንኣምላኽ ዜሐጉስ፡ ጻማን ምጽንናዕን ዚግብኦ ተደላዪ ጓሂ’ዩ። ጐይታና፡ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ኬስተምህር ከሎ፡ ቃል ወንጌል ኣብ ህይወትና ፍረ ኸየፍርይ ዚሓንቆ ዓይነት ጓሂ ኸም ዘሎ፡ “ገሊኡ ኣብ እሾዅ ወደቐ። እቲ እሾዅ ድማ ዓበየ ሓነቖውን። . . .እቲ ኣብ እሾዅ እተዘርአ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ዚሰምዖ’ዩ፡ ጓሂ’ዛ ዓለም’ዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና፡ ነቲ ቓል ይሓንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ።”
ብምባል ገለጸልና (ማቴ 13፡7,22) ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ’ውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ጽሒፉልና ኣሎ። ኣብ መንጎ’ቲ ቕቡልን ዘይቅቡልን ጓሂ ዘሎ ፍልልይን ውጽኢቱን’ውን ገሊጹ ኣሎ፦“ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይ ናብ ድሕነት ዜብጽሕ ንስሓ የስዕብ፡ ኣየጣዕስን ከኣ’ዩ። ጓሂ ዓለም ግና ሞት የስዕብ። እንሆ፡ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጐሃኹምዎ ኽትጽዕቱን ካብ በደል ንጹሃት ምዃንኩም ከም እተረድኡን ገበረኩም። ጽልኢ ሓጢኣትን ፍርሃት እግዚኣብሄርን ከም ዚህልወኩምን ንኣይ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቕንኣት ከም ዚሓድረኩምንብቕንዕና ኸም እትፈርዱን’ውን ገበረኩም። በዚ ነገር’ዚ (በዚ ጓሂ’ዚ)፡ብዅሉ ንጹሃት ከም ዝዀንኩም ገለጽኩም።” (2ቈረ 7፡10,11 ካ.ት)
እምበኣር ካብዚ ዝተጠቕሰ ቓላት፡ መንፈሳውን ዘለኣለማውን ሞት ዜስዕብ ዓለማዊ ጓሂ፡ ከምኡ’ውን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ኣብ ህይወትካ’ውን ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ኣገደስቲ መንፈሳዊ ፍረታት ከተፍርይ ዚረድእ መንፈሳዊ ጓሂ’ውን ከም ዘሎ ተገንዚብና ኣሎና። እምበኣር ኣስዒብና፡ “እቲ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ነየናይ ዓይነት ጓሂ’ዩ ዜጸናንዕ፧” ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና። ብርግጽ ነቲ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ጓሂ እምበር ነቲ ንመንፈሳዊ ህይወትካ ሓኒቑ ዚቐትል፡ እሾዅ ነፍሲ ዝዀነ ዓለማዊ ጓሂ ኸም ዘየጸናንዕ ርዱእ ሓቂ እዩ።
እቲ ዓለማዊ ጓሂ (ጓሂ ዓለም) ንምንታይ’ዩ ሞት ዜስዕብ፧ ባዕሉ እቲ ጓሂ ዓለም ሓጢኣት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝበኣሰ ሓጢኣት ክትገብር ዚደፍእ ብምዃኑ እዩ። ምንዝርና ወይ ዝሙት ናይ ምፍጻም ውጥኑ ስለ ዘይሰለጦ፡ ብሕርቃን ዚቃጸል ብጓሂ ዚሓርር ሰብ ማእለያ የብሉን። ዋኒኑ ስለ ዘይተዓወተሉ፡ ዚብህጎ ዓይነት ትምህርትን ስራሕን ስለ ዘይረኸበ፡ ብርኹስ ረብሓ ኺብለጽ ብዘይ ምኽኣሉ፡ ካብ መዛኑኡ ድሕሪት ስለ ዝተረፈን ስለ ዝተበልጸን፡ ስለ ዘይተመርዓወት፡ ስለ ዝደኸየ፡ ስለ ዘይጠዓየ፡ ስለ ዘይወለደ ኣዝዩ ዚሓዝን ሰብ ኣሎ። ብሞት ዜፍቅሮም ሰባት ክሳዕ ሞት ዚሓዝን ሰብ’ውን ብዙሕ’ዩ። ሰብ ስለ ዝበደሎ ኣዝዩ ዚጕህይ’ሞ ዳርጋ ዅሉ ሰብ’ዩ። እዚ ዅሉ ጓሂ’ዚ ዓለማዊ ጓሂ’ዩ። ዓለማዊ ዀይኑ ነቲ ሰብ ዚቐትሎ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ መቕደሱ ዝዀነ ሰብ በዚ ጓሂ’ዚ ምብካሉን ምሕናቑን ንባዕሉ ንመንፈስ ቅዱስ ዜጕህዮ ጓሂ’ዩ። ድሕሪ’ዞም ዝዘርዘርናዮም ዓይነታት ጓሂ፡ ከም’ኒ ፍትወት ስጋ፡ ስስዐ፡ ቅንኢ፡ ኣንነት ወዘተ ዝኣመሰሉ ሓጥእ ባህርያት ኣለዉ። እዚ ዓለማዊ ጓሂ’ዚ ብሓጢኣት ዝተደረኸ ምዃኑ ጥራይ ከይኣኽሎ ናብ ዝኸፍአ ሓጢኣት ዚደፍእ ምዃኑ ዝበኣሰ ይገብሮ። ናብ ቅትለት፡ ስርቂ፡ ጽልኢ፡ ሕነ ምፍዳይ፡ ዝሙት፡ ምረት ፡ ምጕርምራም ወዘተ ዝኣመሰሉ ዝበኣሰ ሓጢኣት ኪደፍእ ይኽእል’ዩ። መብዛሕትኦም ካብዞም ብደረጃ ኣብነት ዝጠቐስናዮም ዓይነት ጓሂ፡ “ፍቓዱ ይኹን” ብዚብል መንፈሳዊ ብስለት ኪፍወሱ ዚኽእሉ እዮም። እቶም ብስስዐ ዝተደረኹ ጓሂታት ከኣ፡ “ይኣኽለኒ” ብዜብል ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍረ ዚፍወሱ’ዮም። “ተበዲለ” ዚብል ኣንነት ዚወልዶ ጓሂ ድማ ካብ ኣብቲ ናትካ ጊዝያዊ ጕድኣት ምትኳር፡ እቲ በደል ኣብቲ በዳሊ ዜስዕቦ ዘለኣለማዊ ጕድኣት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ጓሂ ዓለም ናብ መንፈሳዊ ጓሂ ብምቕያር ኪፍወስ ዚኽእል’ዩ።
እቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ጓሂ ድማ፡ ሓቀኛ ዘየጣዕስ ንስሓ ኽትኣትው፡ መንፈሳዊ ቕንኣት ኪህልወካ ንኣምላኽ ክትፈርህ፡ ንሓጢኣት ክትጽየፍ፡ ንጽድቂ ኽትናፍቕ፡ ወንጌል ክትሰብኽ፡ ይቕረ ኽትብል፡ ተጊህካ ኽትጽልይ፡ ለጊስካ ኽትህብ፡ ህይወትካ ኽትከፍል፡ ጸኒዕካ ኸተገልግል ወዘተ ዜኽእለካ ጓሂ’ዩ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሕማሙ፡ ድኽነቱ፡ መሪር መከራኡ፡ ዝተበደሎ በደላት ከም ዝተሓጐስ እምበር ከም ዝጐሃየ ዚገልጽ ጽሑፍ ኣይንረክብን ኢና። ብዛዕባ’ቶም ዘይኣመኑ፡ ዝስሓቱ፡ ዝሓጥኡ፡ ዝደኸሙ ብብኽያት ዝተሰነየ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ውሽጡ ኸም ዝነበሮ ገሊጹ ኣሎ (ሮሜ 9፡1,2)። ነብዪ ኤርምያስውን ብዛዕባ’ቶም ብሓጢኣትን ብሰይፍን ተወጊኦም ዝሞቱ ህዝቡ ምእንቲ ኺበክይ ርእሱ ኸም ዒላ ማይ ኪዀነሉ ዝተመነየ ነብዪ እዩ (ኤር 9፡1)። ጐይታና፡“እቶም ዚጕህዩ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ ብጹኣን’ዮም”
ዝበለ፡ ነቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዚጕህዩ እምበር ነቶም ብጓሂ ዓለም ነፍሳዊ ርእሰ ቕትለት ንዚፍጽሙ ሰባት ኣይኰነን (ማቴ 5፡4)። ጓሂ፡ ወደቓ ዘይኰነስ ምርጫ’ዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ንምጽንናዑ ዚተግሃሉ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ጓሂ ደኣ ንምረጽ እምበር፡ ነቲ መጸናንዒ ዜጕህይ ከም እሾዅ ሓኒቑ ዚቐትል ክርስቶስ ዘውገዞ ዓለማዊ ጓሂ ኣይንጕሃይ። ሓጢኣት ዝወለዶን ሓጢኣት ዚወልድን ዓይነት ጓሂ ኣወጊድና፡ ስላሴን ቅዱሳንን ዚጕህይዎ ዓይነት ቅዱስን ቅዱይን ጓሂ ንጕሃይሞ፡ እቲ መጸናንዒ መንፈስ ንምጽንናዕና ኺተግሃልና’ዩ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፥ ሰንበት, ሰነ 28 2020 (ሰነ 21 , 2012 ግእዝ) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል፡ |
ቅዳሴ፡ |
ኤፌ 4፡1-14 |
2ጴጥ 1፡1-11 |
ግብ 8፡14-25 |
ዮሃ 16፡25-33 |
ዘዴስቆሮስ |
መዝ 67፡3-4 “ሰብሕዎ ፡ ለእግዚአብሔር ፡ ወዘምሩ ፡ ለስሙ። ፍኖተ ፡ ግብሩ ፡ ለዘ ፡ዐርገ፡እንተ፡ዐረብ፤ እግዚአብሔር ፡ ስሙ። ወተፈሥሑ ፡ በቅድሜሁ ።” መዝ 68፡3-4 “ንኣምላኽ ቃንዩሉ፣ ንስሙ ኣመስግኑ፣ ነቲ ብበረኻ ዚሐልፍ መገዲ ጽረጉሉ፣ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ደስ በሉ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ