ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ <ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና>፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣቱም ጕዱላት እምነት! ከመይከ እትፈርሁ፧’ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ።” ማቴ 8፡26።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ኣመልኪቱና ዘሎ ታሪክ ናይ ጐይታን ደቀመዛምርቱን፡ ብዛዕባ ማዕበልን ሳዕቤናቱን ዜስተምህረና’ዩ። እዚ ታሪኽ’ዚ ብዛዕባ ናይ ማያት ማዕበል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ናይ ልቢ ማዕበል’ውን’ዩ ዚትርኸልና። ንማያት ባሕሪ ንፋሳት ኪገላብጥዎ ኸለዉ፡ ንልቢ ወዲ ሰብ ድማ ፍርሃትን ዘይምእማንን’ዩ ዚገላብጦ። ናይ’ዚ ታሪኽ’ዚ ኣገዳስነት ኣዝዩ ዝጐልሕ ድማ፡ ካብ ኣብቲ ማዕበል ማያት፡ ብዝያዳ ኣብቲ ማዕበል ልቢ ምስ እነተኵር’ዩ። ነቲ ንማይ ዚምልከት ኣቕሊብናሉ፡ ነቲ ናይ ልቢ እንተ ዘንጋዕናዮ፡ ረብሓና መሳጢ ዛንታ ምስትምቓር ኰይኑ ጥራሕ’ዩ ዚተርፍ። በቲ ማዕበል ማያት ኣቢልና ናብቲ ማዕበላት ልቢ እንተ ተሳገርና ግና፡ ኣገዳሲ ናይ ሕይወት ትምህርቲ ኽንሰንቕ ኢና። ክልቲኡ ማዕበላት ኣብ ሓደ ጊዜ ስለ ዘጋጠመ፡ እቲ ሓደ በቲ ኻልእ ማዕበል ኪወሓጥ ወይ ኪዕብለል ይኽእል’ዩ። ነቲ ቕኑዕ ኣቓልቦን ምስትውዓልን ምእንቲ ክንረኽቦ፡ ነቲ ጐይታ ዝተገደሰሉ ማዕበል ኢና ብዝያዳ ኸነቕልበሉ ዚግብኣና። ከመይሲ፡ ናብ ዓዲ ዜእትወና መራሒና ንሱ’ዩ። ናብኡ ምእንቲ ኺመርሓና ኸኣ’ዩ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ማዕበል ማያት እናለመንዎ፡ ንሱ ግና፡ ብዛዕባ’ቲ ዜናውጾም ዘሎ ማዕበላት ልቢ ኺዛረቦምን ኪግስጾምን ዝመረጸ። ኣሚኖም ዝሰዓብዎ ደቀ መዛሙርቱ ኽነሶም፡ ብሰሪ’ቲ ንልቦም ዘናወጸ ማዕበል-ፍርሃት፡ “ኣቱም ጕዱላት እምነት” ዚብል ነቐፌታዊ ቕጽል ኪቕበሉ ገይርዎም’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ብትዕግስትን ብምጽናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ንምህሮና’ዩ እተጻሕፈ።”
“እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን’ዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበና’ውን ንተግሳጽ ኪዀነና’ዩ እተጻሕፈ።”
ከም ዝበለና፡ ካብዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብና’ውን ተግሳጽን ምህሮን ክንቀስም ይግብኣና’ዩ1። ብእምነት ጐደሎታት ኴንና ምእንቲ ኸይንርከብ፡ ናይቶም ዜፍቅሮም ደቀ መዛሙርቱ ናይ ምጕዳል እምነት ድኻም ብጽሑፍ ተረኸልና። ካብ’ዚ ተማሂርና እምነት እንተ ዘይመላእና፡ ንሓጢኣትና ምኽንያት ኣይኪህልወናን’ዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ጐይታና ባዕሉ፡
“ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።”
ዝበለና2። ናይዞም ቅዱሳን ሃዋርያቱ ዘይምእማን ብኸመይ’ዩ ዝተገልጸ፧ ኵሉ ጊዜ፡ ነቲ ናይ ውሽጥና መንፈሳዊ ሃለዋት ዚገልጽዎ፡ እቶም ኣብ ናይ ሕይወት ጉዕዞና ዜጋጥሙና ዝተፈላለዩ ዓይነት ኵነታት’ዮም። ሃዋኺ ንፋስ እንተ ዘይመጺኡ፡ ቀላያትን ባሕርታትን ውቅያኖሳትን፡ ንኽትርእዮም ኣዝዮም መሰጥቲ፡ ዘሊልካ ኣብ ውሽጦም ክትኣቱን እናሓምበስካ ኽትጻወትን ዚዕድሙን ዜወናውኑን’ዮም። ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ ግዳ፡ ነቲ ማይ ዚኽብክብን ዜላኽዕን ንፋስ ምስ ዚቕልቀል ግና፡ ኵነታት ናይቲ ማይ ይልወጥ። ይዝረግ’ሞ ሕምትኽትኽ ይብል። ርስሓቱ ንላዕሊ ስለ ዝወጸ ክፉእ ሽታ ይገብር። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ ፈትይዎን ኣሚንዎን ኣብ ልዕሊኡ ዜንሳፍፍን ዚሕምብስን ኵሉ ድማ ኪውሕጥ ይህንደድ። ነቲ ተፈታዊ ማያት ናብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ዜውርዶ ዘሎ፡ እቲ ንኺህውኾ ዝመጸ ንፋሳት’ዩ። ናይ ልብና ማዕበላት ፍርሃትን ቍጥዓን ወዘተን ድማ ከም ንፋስ ብዚህውኹና ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ሕይወትና ብዚኽሰቱ ዅነታት’ዮም ዚለዓሉ። ዓይነቶምን ብዝሖምን ዘርዚርካ ኺውዳእ ዜጸግም’ኳ እንተ ዀነ፡ ገለ ሒደት ምጥቃስ ግን ጠቓምን ዚከኣልን’ዩ።
1. ናይ ሕይወት ሓደጋ ዜስዕቡ ዅነታት፦ ውግእ፡ ፌራ (ተላጋቢ ሕማም)፡ ደርቂ፡ ቀታሊ ወይ ኣሳቓዪ ውልቃዊ ሕማም፡ ቍጠባዊ ቅልውላው፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን መከራን (ብምኽንያት እምነት ወይ ብኻልእ)፡ ስእነት ስራሕ፡ ሓደጋታት (ኣካላዊ) ወዘተ
2. ኣብ ልዕሌና በደል ዜውርዱ ዅነታት፦ ጸርፊ፡ ባእሲ፡ ዕግርግር፡ ፍትሕ፡ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ተነጽሎ፡ ወዘተ
3. ካልኦት ኵነታት፦ መዋስብቲ ዘይምርካብ፡ ውሉድ ዘይምርካብ ወዘተ
እዞም ከም ኣብነት ተጠቒሶም ዘለዉ ሒደት ኣብነታት ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ሕይወት ዜስዕብዎ ማዕበላዊ ነውጺ እንታይ ከም ዚመስል ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ኢና። እዞም ኵነታት’ዚኣቶም’ዮም፡ እሙናት ዲና ዘይእሙናት፡ ኣመንቲ ዲና ዘይኣመንቲ ጽቡቕ ጌሮም ዚቐልዑና። ቃል እግዚኣብሔር ኣነጺሩ ኸም ዚገልጸልና፡ ኣብ ሕይወትና ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይክሰትን’ዩ። ይትረፍ እዞም ዝዘርዘርናዮም ከበድትን መረርትን ኵነታት፡ ካብዚ ብሚልዮናት ዚቝጸር ጸጕሪ ርእስና፡ ሓንቲአን’ኳ ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይትወድቕ ኣረጋጊጹልና’ዩ።
“ነቲ ንነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከኣሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ’ምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከኣሎም (ሰባትን ኵነታትን) ኣይትፍርህዎም። ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን (ብሓንቲ ሳንቲም) ዚሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን’ያ። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን’ኳ ቝጹራት’የን። እምበኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም’ሞ፡ ኣይትፍርሁ።” ማቴ 10፡28-31
“ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ኪህብኹም፡ ካባኻትኩም’ውን ንሓያሎ ኪቐትሉ’ዮም። ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም’ዩ። ግናኸ ካብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጕሪ’ኳ ኣይክትጠፍእን’ያ።” ሉቃ 21፡16-18
እቲ ሃዋርያት ዘናወጸ ማዕበላት’ውን፡ ብፍቓድ ናይቲ ምሳታቶም ኣብ ጃልባኦም ደቂሱ ዝነበረ ጐይታ’ምበር፡ ብርእሱ ወይ ብኻልእ ኣካል ከቶ ኣይመጸን። እዚ ፈታኒ ዅነታት’ዚ ኸኣ፡ መንፈሳዊ ሃለዋቶምን ሚዛን እምነቶምን ምእንቲ ኺፈልጡ ዝተሰርዓሎም’ዩ። ኵሉ ኣብ ሕይወት ዜጋጥመና ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ እንብሎ ዅነታት ንእምነትና ኺመዝን’ዩ ዚኽሰት። እዛ ናይ ባሕሪ ገሊላ ማዕበላዊ ነውጺ፡ ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፡ “ጕዱላት እምነት” ምዃኖም ቀሊዓ ዘፍ በለት። ንሕና’ውን ብብዙሕ ዝዓይነቱ ዜናውጽ ኵነታት ክንሓልፍ ከለና፡ ናይ እምነትና ዓይነትን መጠንን ይምዘን ከም ዘሎ ቐልጢፉ ኺስቈረና’ዩ ዚግባእ። ኣቓልቦና፡ ኣብታ እትምዘን ዘላ እምነትና ዘይኰነ ኣብቲ ዚፍትነና ዘሎ ዅነታት ጥራሕ እንተ ገበርና፡ ነቲ እምነትና እንገልጸሉን እነዕብየሉን ወርቃዊ ዅነታት ንኸስሮ፡ ንርእስና ኸይፈለጥናያን ከይመዘንናያን ንነብርን ነቲ ኣብቲ ውሁብ ኵነታትና ዚዓዪ ዝነበረ ኣምላኽን ግብርታቱን ድማ ከየስተውዓልናዮ ንነብር ማለት’ዩ።
ንእምነትና ዚመዝን ካልእ ረቛሒታትከ ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ። ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፡ በቲ ሃዋጺ ማዕበላት ጥራሕ ኣይተፈተኑን። በቲ ጐይታና ንዅነታቶም ዘርኣዮ ግብረ-መልሲ’ውን ተፈቲኖም’ዮም። ስቕታን ድቃስን ናይ ጐይታ፡ ኣብ ንቡርን ሰላማውን ኵነታት ከለዉ እንተ ዚኸውን፡ ኣይምኸበደን ነይሩ። ኣብቲ ናይ ሕይወትን ሞትን ገድሊ ዚጋደሉሉ ዝነበሩ እዋን ምዃኑ ግን፡ ካብቲ ማዕበል፡ ንላዕሊ ዚፍትነካ ረባሺ ዅነታት’ዩ። እቲ ዝነበርዎ ሃዋህው ፈጺሙ ንድቃስ ዚዕድም ኣይነበረን። ድምጺ ናይቲ ማዕበል፡ እቲ ሓፍዞቕ ናይታ ጃልባ፡ ናይታ ጃልባ ማይ ምምላእ፡ እቶም ሰባት ነቲ ማይ ንምጭንጓዕ ዚገብርዎ ገልጠምጠምን ዜስምዕዎ ታዕታዕን፡ ፍርሃትን ጭንቀትን ዝወለዶ ናይ ኣውያትን ርድኡንን ድምጽታት፡ ክትድቅስ ፈጺሙ ዘየፍቅድ ረባሺ ዅነታት’ዩ። ዋላ ነቲ ማዕበል ኪገንሓሎም ኢሉ እንተ ዘይነቕሐ’ኳ፡ እንተ ወሓደ ነቲ ዝኣተዎም ማይ ኣብ ምጭንጓዕ ኪሕግዞም ዘይምንቃሑ ሕማቕ ስምዒት ኪፈጥረሎም ይኽእል’ዩ። ኣብቲ ናይ ወንጌል ማርቆስ ታሪኽ ተዘንትዩ ኸም ዘሎ፡ “ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን’ዩ፧” ዚበልዎም ከኣ፡ እቲ ድቃሱን ስቕታኡን ዝፈጠረሎም ሕማቕ ስምዒት’ዩ3።
ኣብቲ እዋን’ቲኸ ጐይታ ብሓቂዶ ደቂሱ’ዩ ነይሩ፧ ዕላማ ድቃሱን ስቕታኡንከ እንታይ’ዩ ነይሩ፧ መለኮት ፈጺሙ ኣይድቅስን’ዩ። ብስጋ’ኳ እንተ ደቀሰ፡ ብመለኮቱ ግን ንቑሕን ንጡፍን’ዩ ዝነበረ። ስለዚዶ ኣይኰነን፡ ቅዱስ ዳዊት፦
“ንሱ (እግዚኣብሔር) ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፡ ሓላዊኻ ኣይታኸስን። እንሆ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን’ዩ።”
ዝበለ4። ናይ እስራኤል ኰነ ናይ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ጓሳን ሓላውን ከኣ፡ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ኣቦ ኺገብሮ ዚደሊ ኵሉ፡ ብወዱ ብክርስቶስ’ዩ ዚፍጽሞ5። እቲ ብድቃስ ስጋ ዝተገልጸ ስቕታኡ’ምበኣር ብዕላማ’ዩ ዝነበረ። ኣብታ ፈታኒት ህሞት’ቲኣ ንእምነቶም ይዕዘባን ይመዝናን ነበረ። ብኡንብኡ ኢዱ ኣእትዩ ነቲ ጸገሞም እንተ ዚፈትሖ፡ እምነት ዘለዎምን ዘይብሎምን ምዃኖም ንእኡ’ኳ እንተ ዘይተሰወሮ፡ ንሳቶም ግና ከይፈለጥዎ ምሓለፉ ነይሮም። ስለዚ እዛ እዋን’ዚኣ፡ ነዞም ደቀ መዛሙርቲ ናይ ትዕዝብቶም ጊዜ’ያ ዝነበረት። እምነቶም ብኽልተ ዅነታት ይፍተን ኣሎ። እቲ ሓደ ብማዕበል ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ብስቓታ ናይ ጐይታና’ዩ። እዚ ናይ ምዘና (ምምዛን) ጊዜ’ዚ፡ ንኣና ዀነ ንኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳስን ወርቃውን ጊዜ’ዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ወይ ዘይብቑዓት ምዃንና፡ እሙናትን ኣመንትን ምዃናን ዘይምዃናን እነረጋግጸሉ ኽቡር ጊዜ’ዩ። እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ብዙሕ ናይ ትዕዝብቲ ጊዜ ኸም ዚሰርዓልና ብቓሉ ደጋጊሙ ገሊጹልና’ዩ። ገለ ኻብኡ ነዚ ዚስዕብ ምጥቃስ ይከኣል’ዩ።
“እንሆ፡ ኣምከኽኩኻ፡ ግናኸ ከም ብሩር ኣይኰነን፡ ኣብ እቶን ጸበባ ተዓዘብኩኻ።” ኢሳ 48፡10
“ብጸበባ ኣእዌኻ፡ ኣነ’ውን ኣናገፍኩኻ፡ ኣብ ነጕዲ ተሰዊረ መለስኩልካ፡ ኣብ ማይ መሪባ ተዓዘብኩኻ።” መዝ 81፡7
“ዎ ኣምላኽ፡ ተዓዚብካና ኢኻ’ሞ፡ ከም ዚዅላዕ ብሩር ኰላዕካና። ናብ መርበብ ኣእቶኻና፡ ኣብ ሕቜና ኸቢድ ጾር ኣጾርካና። ብልዕሊ ርእስና ሰባት ኣሳገርካ፡ ብሓውን ብማይን ሓለፍና፡ ንስኻ ግና ናብ ራህዋ ኣውጻእካና።” መዝ 66፡10-12
“እግዚኣብሔር ኣምላኽካ፡ በዘን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዝመርሓካ ዅሉ መገዲ፡ ትእዛዛቱ ትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ ዘይትሕሉ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪፍትነካ (ኪዕዘበካ) ኢሉ ኸም ዘዋረደካ ዘክር።” ዘዳ 8፡2
ስለዚ ኵሎም’ቶም እንሓልፎም ኵነታት ንትዕዝብትና ዝተሰርዑልና ምዃኖም ካብዚ ዘንበብናዮ ቕዱስ ቃል ክንርዳእ ይግባእ’ዩ። እታ ትዕዝብቲ ድማ ኣብ እምነት ምህላውናን ዘይምህላውናን ምርግጋጽ’ያ። ኵሉ ነገርና ኣብ እምነት’ዩ ዚጥቕለል። ኵሉ ባህርይናን ተግባርናን ቃላትናን ኣተሓሳስባናን ናይ እምነትና መግለጺ’ዩ። ንሕና ግን ብዛዕባ እምነት ክንሓስብ ከሎና፡ ብዛዕባ ህላወን ክእለትን ናይ እግዚኣብሔር ዘሎና መርገጺ ዚምልከት ጥራሕ’ዩ ዚመስለና። እምነት ግና ብኣንጻሩ ኵሉ ነገርና’ያ። እምነታዊ ዘይኰነ ዝዀነ ይኹን የብልናን። ንኣብነት ብዛዕባ ንዝበደለና ሰብ እነርእዮ ትዕግስቲ ወይ ቍጥዓ ምስ እምነትና ዘለዎ ዝምድና ኣይንሓስበሉን ኢና። ንበዳሊና ኽንዕገሶ ምስ እንመርጽ፡ ነቲ ኣብ ትዕግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ልዑል እምነት ነንጸባርቕ፡ ነቲ ንኣና ዝጾረሉ ትዕግስቱ’ውን ነድንቕን ነመስግንን ምህላውና ኽንዝንግዖ ኣይግባእን። ብዛዕባ ዅሉ ኻልእ ባህርያትናን ተግባራትናን’ውን ከምኡ ኽንሓስብን ብኸምኡ ኽንዋሳእን’ዩ ዚግባእ። ስለዚ ጐይታና ኣብታ ብማዕበል ትናወጽ ዝነበረት ጃልባ ልዋም ድቃስ ኪድቅስ ዝመረጸሉ ምኽንያት’ምበኣር፡ ከማና ሕልናኡ ስለ ዝደንዘዘ፡ ብዛዕባ ጸገሞም ፈጺሙ ስለ ዘይተገደሰ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወርቃዊ ናይ ትዕዝብቲ ዕድልን መስርሕን ንዘይምዕንቃፍ’ዩ።
ነዚ ናይ ትዕዝብቲ ጊዜና ኽንከስሮ ዚገብረና ዘሎ ድኻምና እንታይ’ዩ፧ ካብዚ ታሪኽ ናይዞም ደቀ መዛሙርቲ ዀነ፡ ካብቲ ዕለታዊ ተመክሮና ኸም እንግንዘቦ፡ ኣብ ጊዜ ትዕዝብቲ ኣድህቦና ናብ እምነትናን ናብ ኣምላኽናን ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ኣብቲ ውሁብን ሓላፍን ኵነታት ጥራሕ ክንገብር ምምራጽና’ዩ። ይጥዓም ይሕሰም ብዘየገድስ፡ ሓደ ዅነታት ምስ ዜጋጥመና፡ “ኣብዛ ውህብቲ ዅነታት’ዚኣ ንእምነተይ ብኸመይ’የ ዝገልጻን ዘንጸባርቓን፧ ኣብዛ ዅነታት’ዚኣ ንኣምላኸይ ብኸመይ’የ ብእምነተይ ዘስምሮ፧” ኢልና ኽንሓትት’ዩ ዚግብኣና። ነዚ ቕዱስን ዜዐውትን ምርጫ’ዚ ሓዲግና፡ “እጥሕልዶ እድሕን እኸውን፧ እዚ ሕማም’ዚ ይቐትለኒዶ ይኸውን፧ እዚ ሰብ’ዚ ንምንታይ’ዩ ክንድ’ዚ ዝበደለኒ፧ እዚ ፌራ’ዚኸ ይሕዘንን ይቐትለንንዶ ይኸውን፧ ከምዚ ኢለ ድየ ብዘይ መዋስብትን ብዘይ ውሉድን ንቡር ከይረኸብኩ ኸሕልፎ፧” ወዘተ ዚብሉ ዜናውጹን ዜበላሽዉን ካብ ኣምላኽ ዚፈልዩን ሕቶታት ከነልዕል እንተ መሪጽና፡ ብፍርሃት፡ ብጭንቀት፡ ብተስፋ ምቍራጽ፡ ብምረትን ምጕርምራምን፡ ብጽልእን ቂምታን ወዘተ ንመልእ። እዞም ንኣድህቦና ኣመዛቢሎም ዜበላሽዉና ዘለዉ ዅላቶም ኵነታት ሓለፍቲ’ዮም። እቶም ዜጋጥሙና ዅነታት ከኣ ብዓይነቶምን ክብደቶም ኣዝዮም ብዙሓትን ዝተፈላለዩን’ዮም። ደድሕሪ ዝመጸ ዅነታት ክንስዕብ እንተ መሪጽና፡ ኵብላልያ ኴንና ሃውቲትናን ጠፊእናን ኢና ንተርፍ። ደድሕሪ ዝመጸ ዅነታት ካብ ምንክርታት፡ ኣድህቦና ኣብ ሓንቲ ማለት ኣብ እምነትና ጥራሕ እንተ ንገብር ግን፡ ነቲ ናይ ሕይወት ፍጽምና ምበጻሕናዮ፡ ንኣምላኽ መኽበርናዮ መስመርናዮ፡ ንረብሓ ናይቲ ዝወረደና ፈታኒ ዅነታት’ውን መስተማቐርናዮን ምተዓወትናሉ ኔርና። ሰይጣን ክንበላሾን ክንጕዳእን ስለ ዚደሊ፡ “ጠፋእካ፡ ተዋረድካ፡ ጉድካ፡ እንታይ ኢኻ እትገብሮ፧” እናበለ ኣድህቦና ናብቲ ዅነታት ጥራሕ ኪስሕቦ ይጋደል። እግዚኣብሔር ግና ኽንረብሕን ክንፍጸምን ስለ ዚደሊ፡ ኣዒንትና ኻብቲ ዅነታት ኣልዒልና፡ ኣብኡን ኣብ እምነትናን ክንገብር ይደልየናን ይጋደለናን። ኣብ ውሽጢ’ቲ ውሁብ ኵነታትና፡ ንእምነትና በቲ እነንጸባርቖ ባህርይ፡ በቲ እነዘውትሮ ተግባርን ቃላትን ኽንገልጽ የተባብዓና። ነታ ናይ ጐይታ ምርጫ ኸነልዕላን ክንገብራን እንተ መሪጽና፡ ሽዑ ዕዉት ናይ ትዕዝብትን ናይ ምዘናን ጊዜ ኣሕሊፍና ማለት’ዩ። ብእምነት ምሉኣት ንመንግስቲ ኣምላኽ ድማ ብቑዓት ምዃንና ኸነረጋግጽ ንኽእል።
ብኣንጻሩ ንጕዳይ እምነት ኣወንዚፍና፡ በቲ ናይ ኵነታት ማዕበል ክንላኻዕ እንተ መሪጽና ግና፡ ሽዑ ኣበሳና ይበዝሕ፡ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኣሕሊፉ ዚህበና ዅነታት ባዕላትና ንፈጥር ማለት’ዩ። ካብዚ ዚኸፍእ ካልእ ዕሽነታዊ ምርጫ ኺህሉ ኣይክእልን’ዩ። ሕማቕ ኵነታት እንተ መጺኡና፡ ነዚ ሕማቕ ናብ ጽቡቕን ዜርብሓናን ኵነታት ክንልውጦ’ዩ ዚግባእ። በዚ ጊዝያዊ ዅነታት ተደፊእና ባዕልና ናብ ዝኸፍአ ዘለኣለማዊ ዅነታት ንልውጦን ነማዕብሎን እንተ ዄንና ግና፡ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ጥራሕ ዘይኰነስ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናና’ውን ክንጠራጠሮ ይግብኣና’ዩ። ኣቦና ንጉስ ዘማራይ ዳዊት ኣዝዮም ብዙሓትን ከበድትን ኵነታት ዝገጠምዎ ሰብ’ዩ ዝነበረ። ኣብቲ ዅሉ ፈታኒ ዅነታቱ ግን ንእምነቱን ንኣምላኹን ጥራሕ ኪጥንቀቐሎም ስለ ዝመረጸ፡ ይሰግሮ ነበረ። ብዙሓት ካብ ብጾቱ በቲ ዅነታቱ ኺምራሕ ብርቱዕ ድፍኢት ይገብሩሉ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ንሱ ግና ብልዑል ምስትውዓል ተደሪኹ ብእምነቱ ጥራሕ ኪምራሕ መረጸ። ስለዚ ንጉስ ክነሱ ይጸርፍዎ ንዝነበሩ ሰባት ብዜስተንክር ትዕግስቲ ሰዓሮም። ነቶም ለይትን ቀትርን ዜሳድድዎ ብዕዙዝ ምሕረት ረትዖም። ብልሳኑ፡ ብልቡ ዀነ ብግብሩ ኸይዕንቀፍ ስለ ዝወሰነ፡ ብእምነታዊ ባህርይ ኪመላለስ ተራእየ። እግዚኣብሔር ከኣ፡ “ዝኸም ልበይ” ኢሉ ዓብዪ ናይ ክብሪ ቕጽል ሃቦ። ንሱ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ትዕዝብቲ እዋን ብዓወት ይሓልፍ ስለ ዝነበረ፦
“ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ’ኳ ኣይረኸብካን፡ (ምኽንያቱ) ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ’የ።”
ኪብል ትብዓት ረኸበ6። ነዚ ዅሉ ብእምነት ይሰግሮ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ከም ደቂ ቆራሕ ብኸምዚ ዚስዕብ ተኣምኖ ሕይወቱን እምነቱን የንጸባርቕ ነበረ።
“እግዚኣብሔር ብርሃነይን ምድሓነይን’ዩ፡ ካብ መን ደኣ’የ ዝፈርህ፡ እግዚኣብሔር ሓይሊ ህይወተይ’ዩ፡ ካብ መንከ’የ ዝስምብድ፧ . . .ኪቃወመኒ ኢሉ’ኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር፡ ልበይ ኣይፈርህን’ዩ፡ ኵናት’ውን እንተ ዚለዓለኒ እምነት ኣሎኒ።” መዝ 27፡1,3
“ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን፡ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን’ዩ። ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፡ ኣኽራን ኣብ መዓሙቕ እንተ ተናወጹ፡ ማያቱ እንተ ሃመመን እንተ ዓፈረን ኣኽራን ብነድሮም እንተ ኣንቀጥቀጡ፡ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና።” መዝ 46፡1-3
እምበኣር ንሕና’ውን ኣብዛ ብማዕበላት እትናወጽ ሕይወትን ዓለምን ኢና ንነብር ዘለና’ሞ፡ ርእስና ንመርምርን ንፈትሽን። እቲ ሃዋርያዊ ቓል’ውን፦
“ብእምነት እንተ’ሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ። . . .”
ኢሉ ኣዚዙና’ዩ7። ነቶም ዜጋጥሙና ረበሽቲ ዅነታት ብእምነት ነመሓድሮም ከም ዘለና ነረጋግጽ። ኵነታትና ኺውሕጠናን ኪዕብልኸናን ኣይንፍቀደሉ። እምነትና፡ ናይ ሕይወት መርከብ’ያ። መርከብ እትስራሕን እትውነንን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ወሓጢ ማያት ብዓወት ምእንቲ ኽንጐዓዝ’ዩ። ኣብ ፈታኒ ዅነታት ንእምነትና ኣወንዚፍናያ ማለት፡ ኣብ እዋን ማዕበል ካብ መርከብና ወጺእና ክንሕምብስ ናብቲ ማይ ናይ ምዝላል ዓሻ ምርጫ ወሲድና ማለት’ዩ። ስለዚ ዝዀነ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ መጀመርታ ኽንሓቶን ከነረጋግጾን ዚግብኣና፡ “እታ ናይ እምነት መርከበይ ኣላ ድያ፧ ኣብታ መርከበይ ድየ ዘለኹ ወይስ ወሪደ’ለኹ፧” ዚብል’ዩ። ንዅነታትና ብእምነት እንተ ተዋሲእናዮን እንተ ኣመሓዲርናዮን፡ ጐይታ፡ “እምነትካ ዓባይ’ያ” ኺብለና’ዩ። ኵነታትና ባዕሉ ኸም ዝደለዮ ኼመሓድረናን ኬበላሽወናን እንተ ፈቒድናሉ ድማ፡ “ኣታ ጐደሎ እምነት” ኪብለና’ዩ። ዘይምእማን ሓጢኣት’ዩ፡ ጐይታ ድማ ጐደሎ ዘይጸውር ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና ምእንቲ ኺጽብቐልና፡ ኣብቲ ናይ ትዕዝብቲ እዋናትና ኣብ እምነትን ብእምነትን ቜምና ምህላውና ወርትግ ርግጸኛታት ንኹን!!
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፣ ቃለይ ግና ኣይከሓልፍን እዩ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሕዳር 20, 2013 ግዕዝ (29 ሕዳር 2020) - መበል 11 ሰንበት: ቊ.15(፲፭) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል፡ |
ቅዳሴ፡ |
እብ 12:25-ፍጻ |
ያዕ 3:4-12 |
ግብ 21:27-ፍጻ |
ማቴ 8:23-ፍጻ |
ዘእግዚእነ(ነኣኩተከ) |
መዝ፡ 34፡5-6: ቅረቡ ኅቤሁ ወያበርህ ለክሙ። ወኢይትኅፈር ገጽክሙ። ዝንቱ ነዳይ ጸርሐ ወእግዚኣብሔር ሰምዖ። ናብኡ ዝጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሓፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሔር ሰምዖ፣ ካብ ኩሉ ጸበባኡ ኣድሓኖ። |
1ሮሜ 15፡4 ፣ 1ቈረ 10፡11 ፥ 2ዮሃ 15፡22: 3ማር 4፡38 ፥ 4መዝ 121፡3,4 ፥ 5ዮሃ 1፡3 ፣ 1ቈረ 8፡6 ፣ ቈሎ 1፡16 ፣ እብ 1፡2: 6መዝ 17፡3 ፥ 72ቈረ 13፡5: 6መዝ 17፡3 ፥ 72ቈረ 13፡5።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ