ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና። . . .ንሰብ በደሎም እንተ ሓደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሓድገልኩም’ዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሓድገልኩምን’ዩ።” ማቴ 6፡12,14,15።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 06 ጀሚሩ ክሳዕ ታሕሳስ 12 ዘሎ ቅንያት “ኣስተምህሮ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ኣብቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ ንባባት ቅዱስ ወንጌል ተጠቒሶም ካብ ዘለዉ ኣገደስቲ ኣስተምህሮታት ሓደ ድማ ንዝበደለካ ሰብ ሕድገት፡ ምሕረት ወይ ይቕሬታ ምሃብ’ዩ። ካብ መፋርቕ ሕዳር ጀሚሩ “ጾመ-ነብያት” ዚጽወመሉ ቅንያት ምስ ምዃኑ ድማ፡ ካብ ቂም-በቐል ነጻ ዄንና ነዚ ሱባኤና ኽንዘልቆ ስለ ዚግባእ ብዛዕባ ሕድገት ክንመሃረሉ ዚግባእ ግቡእ ጊዜ’ዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ ኣብ ቅንያት ጾም ጥራሕ ብዛዕባ ሕድገት ክንሓስብ ከም ዚግብኣና ንምግላጽ ዝተባህለ ኣይኰነን። ሕድገት፡ ዕድሜና ምሉእ ብዘይ ምቝራጽ ክንሓስቦን ክንፍጽሞን ዚግብኣና መንፈሳዊ ስነ-ምግባር’ዩ። ጾም ግና ቀሊል ዘይኰነ መስዋእቲ እናገበርና ናብ ኣምላኽ ኣዚና እንቐርበሉ ቅንያት ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጸሎትናን ጾምናን እግዚኣብሔር ከም ዚፈትዎን ከም ዚቕበሎን ጌርና ምእንቲ ኸነቕርቦ፡ ካብ ዝዀነ ዓንቃፊ ኣበሳ ርእስና ኸነንጽህ ይግብኣና’ዩ።
ጐይታና፡ ብዛዕባ “ሰብ ምእንቲ ኺርእየልካ” ኢልካ ናይ ምግባር ግብዝነት ኣብ ዜስተምህረሉ ዝነበረ እዋን፡ ነዛ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና (ኣቡነ-ዘበሰማያት)” እትብል ጸሎት ኬስተምህር ከሎ፡ ነዛ ናይ ሕድገት ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ጸሎት ብምጥቃስ ኣገዳሲ መልእኽቲ መሃረና። ኣብዛ ንሱ ዘስተምሃረና ጸሎት፡ ነቲ ዚጽሊ ሰብ እትምልከት እንኮ ኣርእስቲ፡ ንበደል ሕድገት ምግባር’ያ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሊቃውንቲ ሰብ ኪገብሮ ዝተኣዘዞ ትእዛዛት ኣብ ብሉይ ኪዳን ጥራሕ፡ ኣስታት 612 ከም ዝዀነ’ዮም ዚዛረቡ። ናይ ሓድሽ ኪዳን እንተ ዚውሰኾ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ኸም ዚኸውን ዘየጠራጥር’ዩ። ካብዚ ዅሉ ብኣማኢት ዚቝጸር ትእዛዛት፡ ንምንታይ ነዛ ናይ ሕድገት ምግባር’ዚኣ ጥራሕ ኣብዛ ርእሲ ዅሉ ጸሎታት ዝዀነት ዘስተምሃረና ሓጻር ጸሎት ክትጠቓለል ከም ዝደለየ ኽንሓትት ግቡእ’ዩ። ንዅሉ ትእዛዛት ኣብ ሓንቲ ጸሎት ክትጠቕሶ ዚከኣል ኣይኰነን። በቲ ዘይምርመር ኣእምሮኡ ካብ ኵሉ ትእዛዛት፡ ነዛ ናይ ሕድገት ተግባር ምምራጹ ግና ርእሲ-ዅሉ ዝዀነ ኣገዳስነት ከም ዘለዋ ዘየማትእ መርትዖ’ዩ። ብፍላይ ካብ ኵሉ’ቲ ኣብታ ጸሎት ዝተጠቕሰ ኣገደስቲ ኣርእስትታት፡ ንእኣ ጥራሕ ተወሳኺ መብርሂ ምሃቡ’ውን፡ ነቲ ኣገዳስነታ መሊሱ ዜዕዝዞን ዚድርዖን’ዩ።
ነቲ ጐይታ ዝመሃረና ጸሎት ኣዚና ምስ እነቕልበሉ ድማ፡ ነዛ ጸሎት’ዚኣ ድሮ ኸም ዝሓደግካ ዄንካ ጥራሕ እምበር፡ ሕድገት ክትገብር መደብ ከም ዘሎካ፡ ወይ ትሓስብ ከም ዘለኻ ዄንካ ኽትጽልያ ኣይፈቅድን’ዩ። “ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም” ክትብል ከለኻ፡ ድሮ ኸም ዝተፈጸመ ሕድገት ጌርካ ኣብ ቅድሚ’ቲ ኽትሕስዎን ከተታልሎን ዘይትኽእል ኣምላኽ ኢኻ ትጽሊ ዘለኻ። ስለዚ ሕድገት ዘይገበርካ ኽነስኻ፡ “ከም ዝሓደግናሎም” እናበልካ እንተ ጸሊኻ፡ ውጹእ ሓሶት ትሕሱ ኣለካ ማለት’ዩ። እቲ ምሕሳውካ ንሰብ ነቲ ብቐሊሉ ኸተታልሎ እትኽእል ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሰብ ከይከውን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ ምዃኑ ዝኸበደ ይገብሮ። ዋላ’ቲ ኽንጽልዮ ኸሎና’ውን፡ ልማድ ኰይኑና ተረር ኣቢልና እንብሎ፡ እንታይ ንብል ከም ዘለና ሓሲብና’ውን ኣይንጽልዮን ኢና። ንነፍሲ ወከፍ ትሕዝቶ ናይታ ጸሎት ብምስትውዓል ማለትና ዀይኑ ንብላ እንተ ንኸውን፡ ኣብ ገለ እዋን ዘይገበርናዮ ገይረ ኢልና ንዛረብ ከም ዘሎና ኽነስተውዕል ምኸኣልና’ሞ፡ ወይ ነቲ ብሓሶት ምጽላይ መቘምናዮ ወይ ከኣ ንበዳሊና ሕድገት ጌርና ኽንጽሊ ምኽኣልና ንኸውን። ሕድገት ከይገበርና፡ “ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም” ኢልና ምጽላይና ግን፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ድፍረት እምበር ጸሎት ነቕርብ ከም ዘለና ጌርና ኽንሓስብ ኣይግባእን’ዩ።
“ንምንታይ’ዩኸ ሕድገት ምግባር ኣብ ቅድሚ ጐይታ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ኣገዳሲ ዀይኑ፧” ኢልና ኽንሓትት’ውን ግቡእ’ዩ። ምድሪ ዀነ ዅሉ ህይወት፡ ብሕድገት ብስርየት ኣበሳ’ዩ ኽሳዕ ሕጂ ቈይሙ ዘሎ። “ብዝሒ ኣበሳ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቝጽሪ ህዝቢ ዓለም እንተ ዚባዛሕ ነይሩ፡ ነቲ መጠኑ ኽንገልጸሉ እንኽእል ኣሃዝ ንምዃኑ ኣብ ዓለም ይህሉዶ ይኸውን፧” ኢልና ኽንሓትት ግቡእ’ዩ። እቲ ኣበሳና ድማ ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ እናወሰኸን እናኸፍአን’ዩ ዚኸይድ ዘሎ። ግብረ-ሶዶማዉያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ቃል ኪዳን ኣብ ዚኣስሩሉ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። ብዛዕባ ኣበሳኡ ብቕንዕና ሓቀኛ ንስሓ ዚኣቱ ድማ ሓደ ሚእታዊት ምእካሉ’ኳ ዜጠራጥር’ዩ። ስለዚ ንቝጥዓኡ ብትዕግስትን ብምሕረትን እናዓገተ’ዩ ዜንብረና ዘሎ’ምበር፡ ከምቲ ቕዱስ ዳዊትን ኤለሁን ዝበልዎ እግዚኣብሔር ንኣበሳ ሰብ እንተ ዚሓስቦን እንተ ዚጸባጸቦን ቀደም ብቝጥዓኡ መጥፍኦ ነይሩ፡
“ንሱ ንሰብ እንተ ዚሓስቦስ፡ ንመንፈሱን ንስትንፋሱን ናብ ርእሱ ምመለሶ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ሓቢሩ ምጠፍአ፡ ሰብ ከኣ ናብ መሬት ምተመልሰ ነይሩ።” እዮ 34፡14,15
“ዎ እግዚኣብሔር፡ “ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ ጐይታየ፡ መን ደው ኪብል እዩ፧ ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፣ ይቕሬታ ምሳኻ ኣሎ።” መዝ 130፡3,4
ስለዚ ሳላ’ቲ መሓርን ሓዳግን ባህርዩ ተጼርና እናነበርና፡ ኣብ ልዕሌና ንዚፍጸማ ሒደት በጻብዕ ዚቝጸራ ኣበሳ ናይ ሰባት ኣብ ልብና ኣሕዲርና ብቒምን-በቐልን ብጽልእን ክንመላለስ ከለና፡ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ድሮ ዝፈጸምናዮ ኣበሳ ብዕጽፍታት ዜኽብዶ’ዩ ዚኸውን። ይትረፍ ነቲ ብባህርዩ በደለኛ ዝዀነ ሰብ ዝወረዶ በደል፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብባህርዩ ሓጢኣት ዘይርከቦ ንጹህ ኣምላኽ ዝወረደ በደል’ውን ሕድገት ይረክብ ኣሎ።
ንዝበደሉኻ ሕድገት ምግባር ዘይግባእ ኰይኑ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እግዚኣብሔር ነቲ ናትካ በደል ምሕዳጉ ድማ ከም ዕሽነት እምበር ከም ሕያውነትን ምሕረትን ኣይትርእዮን ኣለኻ ማለት’ዩ። ስለዚ እቲ ሕድገት ዘይምግባርካ ኣብ ልዕሊ’ቲ ናይ ኣምላኽ ሕድገት ከም ዝተገብረ ልግጫ ዚቝጸር’ዩ። ንሓደ ተግባር ወይ ንሓደ ኣካል፡ ኣምላኽ ይኹን ሰብ፡ ብተግባር፡ ብቓላት ወይ ብስምዒት ክትጻረሮን ከተባጭዎን ይከኣል’ዩ። ኣንጻር ናይዚ ዝገበሮ ትገብር እንተ’ሊኻ፡ ግብራዊ ላግጺ ወይ ግብራዊ ተቓውሞ ትፍጽም ከም ዘለኻ ምግንዛብ ግቡእን ሓጋዝን’ዩ። እቲ ጐይታና ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 18 ተሪኽዎ ዘሎ ትምህርታዊ ምስላ፡ ሕድገት ዘይምግባርና ኣዝዩ ከም ዜቘጥዖን፡ ነቲ ዝገበረልና ሕድገት ኺጠዓሰሉን ኪስርዞን ከም ዚገብሮ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። እልፊ መክሊት ናብ ዲናር ምስ ተሸርፈ፡ ብሕሳብ ሓደ መክሊት ብሽድሽተ ሽሕ (6000) ዲናር፡ ኣስታት ሱሳ ሚልዮን ዲናር’ዩ ዚኸውን። ሓደ ዲናር ድማ ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ ናይ ሓደ ሰራሕተኛ’ዩ። ናይ ሱሳ ሚልዮን ዲናር ዕዳ ብኸምኡ ተሓዲጉሉ ነጻ ዝተገድፈ ሰብ፡ ካብቲ ቤት ናይቲ ዘለቅሖን ዝመሓሮን ውጽእ ምስ በለ ንዝረኸቦ ሓደ ሚእቲ ዲናር ጥራሕ ንዝተዓድዮ ሰብ ረኺቡ ኺሓድገሉ ዘይኰነስ ክሳዕ ዚኸፍሎ ኺዕገሶ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ምስተሰምዐ፡ ይትረፍ ነቲ ዝመሓሮ ጐይታ ንኻልኦት’ኳ ኣዝዩ ኣሕዘኖም። እቶም ንኽልቲኡ ተግባር ዝተዓዘቡ ሰባት፡ ብተግባር ናይቲ ሕድገት ምግባር ዝተጸየፈ ሰብ ምሒር ስለ ዝሓዘኑ፡ ናብቲ መሓሪ ጐይታ ኸይዶም ናይ ትዕዝብቶም ጸብጻብ ኣቕረቡ። እቲ ተማሒሩሉ ዝነበረ ምሕረት ተሓዲጉ ድማ፡ ናይ ዕድመ ምሉእ ፍርዲ ተዋህቦ።
ስለዚ በደል ናይ ኣሕዋትና ዝዀኑ ሰባት ምሕዳግ ይኸብደና እንተ’ልዩ፡ ንጥፍኣትና ዘሎና ባህጊ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ኽንግንዘብ ይግባእ። ንሕና ነዚ ሓቂ’ዚ ባዕላትና ኽንርድኦ እንተ ዘይከኣልና’ኳ፡ እቲ ነዚ ነገር’ዚ ኣጸቢቑ ዚፈልጦን ባዕሉ ዝሓገጎን ኣብ መወዳእታውን ባዕሉ ዚትግብሮ ጐይታ ይነግረና ስለ ዘሎ፡ ከም ዘለዎ ኽንቕበሎ ኣብ ውሽጥና ድማ በዚ ሓቂ’ዚ ኽንርታዕን ክንእዘዝን ይግብኣና። ስለዚ ኪሕደገልካ እትደልዮ ኣበሳታት ቅድሚ ምጽብጻብካ፡ ኣብ ልብኻ ነኺስካ በደሎም ዝሓዝካሎምን ዝተቐየምካዮምን ሰባትን በደላቶምን ክትጽብጽብ’ዩ ዚሓይሽ። ምኽንያቱ ናይ ቂምታ በደል ልዕሊ ዅሉ ኻልእ በደላት፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ዝኸበደ ስለ ዝዀነ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኹነ ድማ’ዩ፡ ኣብዛ ዘይተባትኽ ጸሎትና ንበይኑ ተጠቒሱ ዝረኸብናዮ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝገበርናዮ ምሕረት፡ ንርእስና ምሕረት ኣምላኽ ንምርካብ ናይ ዘሎና ባህጊ ሓቀኛ መለክዒ’ዩ። በደል ካልኦት ከይሓደግና፡ ኣምላኽ ንሓጢኣትና ኺሓድገልና ኣይሂ እናነባዕና ብመሪር ገዓር እንተ ጸሌና ግና፡ ኣብቲ መሓሪ ኣምላኽን ኣብቲ ኽቡር ምሕረቱን ዘሎና ንዕቀት ንገልጽ ስለ ዘለና፡ ጸሎትና ሓጢኣት’ዩ ዚዀነና1።
“በደል ሰባት ነኺስና ኽንሕዝን ክንቅየምን ዚገብረና ዘሎ እንታይ’ዩ፧” ኢልና ኽንሓትት ከኣ ግቡእ’ዩ። ንዅሉ ኽንዝርዝሮ እንተ ዘይከኣልና’ኳ ንገሊኡ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና።
1. እቶም በደልትና ብፍላይ፡ ኵሉ ሰብ ድማ ብሓፈሻ፡ ከማና ዝድኻሞም
ሰባት ምዃኖም ምርሳዕ፦ እግዚኣብሔር ንድኻምና እንተ ዘይርድኣልና፡ ንኺምሕረና ፍቓደኛ ኣይምዀነን ነይሩ። ኣብ መዝሙር ዳዊት ተጠቒሱልና ዘሎ ጥቕስታት ነዚ ሓቂ ዜረጋግጸልና’ዩ።
“ስጋ ምዃኖም፡ ሓሊፉስ ዘይትምለስ ትንፋስ ምዃኖም ዘከረ” መዝ 78፡39
“ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” መዝ 103፡14
ነብዪ ኤርምያስ’ውን ብዛዕባ ድኻም ወዲ ሰብ ቅኑዕ ተኣምኖ ተኣሚኑልና ኣሎ።
“ጐይታየ፡ “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።”” ኤር 10፡23
እዚ ሓቂ’ዚ ድማ’ዩ ደገፍን ረድኤትን ናይ ኣምላኽ ኣዝዩ ኸም ዜድሊ ዜረጋግጸልና። ክንዕንቀፍ ከሎና፡ ናብ ሓጢኣት ከነንደልህጽ ከለና፡ ሰንከልከል ክንብል ከለና፡ ብጸጋኡ ብሕያውነቱ ብመሪሕነቱ ብምድጋፍ የቝመና።
“እግዚኣብሔር ረዲኤተይ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ፣ ነፍሰይ አብ ስቕታ ንምሕዳር ምቐረበት ነይራ። ጐይታየ፣ “እግረይ አንደልሃጸ ምስ በልኩ፣ ጸጋኻ ደገፈኒ።”“ መዝ 94፡17,18
“ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከኣ፣ ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽኣኒ፣ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚሙ፣ ንስጉምተይ ኣጽንዖ።” መዝ 40፡2
“ኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፣ ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ።” መዝ 18፡36
ይትረፍ ብዓቕምና ንሓጢኣት ክንስዕር፡ ብዘይ ረድኤት መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ዚቕበላ ዝዀነ ዓይነት ጸሎት ክንጽሊ’ውን ኣይንኽእልን ኢና2። ኵሉ ኽእለትና ኻብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ብዘይካኡ ዝዀነ ነገር ክንገብር ከም ዘይንኽእል’ውን ቃሉ ነጊሩና’ዩ3። ስለዚ እቲ በዳሊና ሰብ’ውን ከምዚ ኸማና ድኹም ምዃኑ ኣስተውዒልና፡ ነቲ ናብ ሓጢኣት ዝደረኾ ድኻሙ ኻብ ምንታይ ከም ዚብገስ ተረዲእና ኽንድንግጸሉ ብጸሎትን ምኽርን ምሕረትን ካብ ድኻሙን ዝፈጸሞ ሓጢኣትን ምስ ኣምላኽ ኴንና ኸነናግፎ ኽንጽዕር ይግብኣና።
2. ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ድኻምን በደልን ድማ ሰይጣን ከም ዘሎ ዘይምፍላጥ፦ ከምቲ ድሕሪ ዅሉ ሰናይ-ግብሪ ኣምላኽ ዘሎ፡ ብድሕሪ ዅሉ እኩይ ግብርን በደልን ድማ ሰይጣን ከም ዘሎ ምስትውዓል፡ ውግእ ምስ ሰይጣን’ምበር፡ ምስቲ ግዳዩ ዝዀነ ሰብ ከይትገብር ይሕልወካ’ዩ። ቃል ቅዱስ ወንጌል’ውን፡
“እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።”
ብምባል ውግእና ምስቲ ንኺብድለና ብሰይጣን ዝተበደለን ዝተደረከን ሰብ ዘይኰነስ፡ ምስቲ ገዛኢ’ዛ ዓለም ዝዀነ ሰይጣን ኽንገብር ከም ዚግብኣና ኣለቢሙና ኣሎ4። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሰማያዊ ሓቂ’ዚ ዝገለጸ፡ ብዛዕባ ምብድዳል ውሉድን ወላድን፡ ከምኡውን ብዛዕባ ምብድዳል ጐይቶትን ባሮትን ድሕሪ ምስትምሃሩ’ዩ5። ውግእና ምስቲ መንፈስ ዝዀነ ሰይጣን እንተ ዀይኑ፡ ኵሉ’ቲ ንውግእ እንጥቀመሉ ኣጽዋር’ውን መንፈሳዊ ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። ስለዚ ድማ’ዩ እቶም ንሓጢኣት እንቃወመሎም ኣጽዋርና፡ ሓቂ፡ ጽድቂ፡ ሰላም፡ እምነት፡ ምድሓን፡ ቃል ኣምላኽ፡ ምሕረት፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና ጸሎት፡ ለውሃት ኪኸውን ዝተነግረና6። ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ስጋ ለቢስና ንመላለስ ስለ ዘለና፡ ምስ ስጋ ዝለበሱ ኸማና ሰባት ብስጋዊ መገዲ ኽንዋጋእ ኣለና ማለት ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ልብን ኣእምሮን ናይ ሰባት ጽኑዕ ዕርድታት ዝተኸለ ድያብሎስ፡ በቲ ብርቱዕ መንፈሳዊ ኣጽዋር ክንዋግኦ’ዩ ዚግባእ7።
3. ካብ በቲ ንሱ ንኣኻ ዘውረደልካ ጊዝያዊ ጕድኣት ንላዕሊ፡ ንኣኻ ብምብዳሉ ኣብ ርእሱ ዘውረዶ ዘለኣለማዊ ጕድኣት ከም ዚኸብድ ዘይምስትውዓል፦ እቲ ሰብ ብበደል ኣብ ልዕሌኻ ዜውርዶ ጕድኣት፡ ዋላ ቕትለት’ውን እንተ ዀነ፡ ቀሊልን ጊዝያውን’ዩ። ምኽንያቱ ንዘለኣለም ኪቐትል ዚኽእል ሰብ የለን። እቲ ኣብ ስጋ ዜውርዶ ቕትለት’ውን ብትንሳኤ ኺከሓስ’ዩ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ብኣምላኽ ዚብየኖ ሞት ግን ዘለኣለማዊ’ዩ። ስለዚ ብዛዕባ’ቲ ዘለኣለማዊ ጕድኣት ሓውኻ ዘየተሓሳሰበካስ፡ ብዛዕባ’ቲ ጊዝያዊ ጕድኣትካ ብጓህን ጽልእን ቂምታን ክትሓርር ከለኻ ፡ ካብ ኣምላኽን ካብ መንፈሳዊ ህይወትን ርሑቕ ምህላውካ ኣብ ርእሲ ምቅላዕካ፡ ካብቲ በዳሊኻ ኣብ ልዕሌኻ ዘውረዶ ጕድኣት እቲ ብቒምታኻ ኣብ ልዕሌኻ እተውርዶ ዘለኣለማዊ ሞት ከም ዚኸብድ ዘየስተውዕል ዝጸልመተ ኣእምሮ ኸም ዘሎካ ዜመልክት’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ሰማእት እስቲፋኖስን፡ ነቶም ብዝኸሓነ ጽልኢ ዚቐትልዎም ዝነበሩ ሰባት፡ “ዚገብርዎ ኣይፈልጡን’ዮም’ሞ ሕደገሎም” ኢሎም ዝጸለዩ ነዚ ንዛረበሉ ዘለና ሓቂ ከም ዚግባእ ስለ ዝተገንዘቡ’ዮም8።
ስለዚ ንሕና’ውን ምሕረትን ሕድገትን ናይ ኣምላኽ ከነስተማቕር ንደሊ እንተ ዄንና ነዚ ንእኡ ዜውሕሰልና መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ከነስተውዕሎን ከነጥርዮን፡ ምእንቲ ሕድገትና ኢልና ንኻልኦት ንኽንሓድገሎም ክንቅልጥፍን ክንተግሃሉን ይግብኣና። ምኽንያቱ እቲ ፍትሓዊ ኣምላኽ፡ በቲ ፈቲናን መሪጽናን ባዕላትና ዝሰፈርናሉ መስፈር፡ ሰጊዱን ነኽኒኹን ኪሰፍረልና’ዩ። ስፍሪ ኣምላኽ ካብ ስፍርና ኣዝዩ ኸም ዚበዝሕን ከም ዚኸብድን ኣስተውዒልና፡ እታ ብእኡ ኽትስፈረልና እንደልያ ምሕረት፡ ሎሚ ንዅሎም በደልትና ንስፈረሎም!!
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፣ ቃለይ ግና ኣይከሓልፍን እዩ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሕዳር 6, 2013 ግዕዝ (15 ሕዳር 2020) - 10ይ ሰንበት: ቊ.13((፲፫) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል፡ |
ቅዳሴ፡ |
ሮሜ 5:10-ፍጻ |
1ዮሃ 2:1-17 |
ግብ 22:1-11 |
ማቴ 6:5-15 |
ዘእግዚአ (ንአኵተከ) |
መዝ 78(79)8 “ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ።” “አዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፣ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፣ ቀልጥፍ፣ ምሕረትካ ትቃባበለና።” |
1 መዝ 80:4፣ 109:7:2ሮሜ 8፡26 3ዮሃ 15፡5፣ 2ቈረ 3፡4-6:4ኤፌ 6፡11,12 5ኤፌ 6፡1-9 6ኤፌ 6፡13-18፣ ቈሎ 3፡12-15፣ 72ቈረ 10፡3-5 8ሉቃ 23፡34፣ ግብ 7፡60
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ