“ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ’የ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ’ውን ከፍርስ’የ፡” ዚብል ጽሑፍ’ዩ’ሞ፡ ቃል መስቀል፡ ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት’ዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽ’ዩ።" 1ቈረ 1፡18,19።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቘጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 16 ክሳዕ መስከረም 23 (26/09-03/10 ፈ) ዘሎ ሳምንቲ <<መስቀል>> ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ናይ’ዚ በዓል’ዚ ኻብ ምሕሳብ ሕልፍ ኢልና ብዛዕባ’ቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ድሕነትን፡ ብዛዕባ ኻብ’ቲ መስቀል ዝወሓዘ ሓይሊ ኣምላኽን ክንሓስብ፡ ከነስተንትንን፡ ብመንጽሩ ድማ ህይወትናን ኣካይዳናን ከነማእዝነሉ ዝተሰርዓልና ኽቡር ቅንያት’ዩ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ብዕምቈት ከነስተንትንን ብዕምቈት ክንርዳእን ስለ ዚግብኣና ድማ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንዅሎም ንባባት ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስ መስቀል ዝተዛመዱ ገይራ ሰሪዓቶም ትርከብ። እምበኣር ንሕና’ውን ከም ክርስትያንን ከም ደቂ ቤተ ክርስትያን መጠን ብዛዕባ’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ ኣስተንትኖ ኣርእስቲ ብዕምቈት ከነስተንትን መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ። <<ቃል መስቀል>> ማለት ከኣ እቲ ንመስቀልን ኣብኡ ንዝተፈጸመ ዅሉን ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ቓላት ማለት’ዩ። እዚ ቓል መስቀል’ዚ ነቶም ብምእማን እንድሕን ኵላትና፡ ናይ ኣምላኽ ሓይሊ’ዩ። ስለ’ዚ ኸም ተራ ቓል ክንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። ነቲ ኸም ናይ ዕሽነት ታሪኽ ቈጺሩ ዘይኣምኖ ሰብ፡ ጥፍኣት ዜውርደሉ ሓይሉ’ዩ። ነቲ ኸም ሓቂ ተቐቢሉ ዚኣምኖ ሰብ ከኣ፡ ድሕነት ዚወልደሉ ሓይሊ’ዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ስጋኡን ደሙን፡ ዓሚቚ ምስጢር ዘለዎ ቓል-መስቀል ምስ መሃረ፡ ብዙሓት ካብ’ቶም ኣይሁድን ካብ’ቶም ደቀ መዛሙርቱን ብዘረባኡ ተዓንቀፉ። ጐይታና ድማ፡ እቲ ምዕንቃፎም ዘይምኽኑይን ኣዕናውን ምዃኑ ኬመልክቶም፦
<<እዚዶ የዐንቅፈኩም ኣሎ፧ ወዲ ሰብ ናብ’ቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእይዎ ደኣ (እንታይ ምበልኩም፧)። መንፈስ’ዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ’ኳ ኣይጠቕምን’ዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ’የን ህይወት’ውን’የን።>>
ኢሉ ተዛረቦም (ዮሃ 6፡61-63)። ስለ’ዚ ቓል-መስቀል፡ ወሃብ ህይወት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንባዕሉ ህይወት’ዩ። ምድሓን ማለት ከኣ፡ ካብ ሞት ተናጊፍካ ህይወት ምርካብ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኢና ንቓል-መስቀል፡ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እንብሎ።
<<ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ’ውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ኹሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን (ዜድሕን ሓይሊ ኣምላኽ) እዩ’ሞ፡ ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ።>> ሮሜ 1፡16
ስለ’ዚ ቃል-መስቀል ኪንበብ ወይ ኪስበኽ ከሎ፡ እቲ ዜድሕን ሓይሊ ናይ ኣምላኽ ይውሕዝ ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ሓይሊ’ዚ ግና ንዅሉ ሰብ ኣይብጽሖን፡ ኣይበጽሖን ከኣ’ዩ። ነዚ ሓይሊ’ዚ ዚቕበሎን ዚረብሓሉን፡ እቲ ብምልኣት ዝኣመኖ ጥራሕ‘ዩ። ሓደ ሰብ ነዚ ዜድሕን ሓይሊ’ዚ፡ ናቱ ሓይሊ ኺገብሮን፡ ብእኡ ንሓይሊ ሓጢኣትን ሞትን ኪስዕሮን ዚኽእል፡ ነዚ ቓል-መስቀል ብእምነት ተቐቢሉ ኣብ ህይወቱ ኬግዝእን ኪግዝኦን ምስ ዚኽእል’ዩ። ንክርስትያን ካብ’ዚ ወጻኢ ዝዀነ ኻልእ ጥበብ የብሉን። ቃል መስቀል ኣወጊድካ ዚርከብ ህይወትን ዚብጻሕ ድሕነትን የልቦን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንእብራውያን ሰዓብቱ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፦
<<እምበኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ካባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ከይህልው፡ ንፍራህ፡ ንኣና’ውን ከም’ቲ ንኣታቶም ብስራት (ቃል-መስቀል) ተነጊሩልና ኣሎ’ሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ፡ ብእምነት ስለ ዘይሓበረ ግና፡ ኣይጠቐሞምን።>>
ብምባል፡ ነቲ ኣብ ቃል መስቀል ዘሎ ዜድሕን ሓይሊ ኣምላኽ ብኸመይ ኣብ ጥቕምና ኸም እነውዕሎ ኣመልኪቱና ኣሎ (እብ 4፡1,2)። ቃል መስቀል ብእምነት ከይሓዝካ ዚርከብ ድሕነት የልቦን። እቶም ቃል መስቀል ዝዓጠቚን ዚምርሑሉን ኵላቶም ግን፡ ኵሉ ጊዜ ድሑናት’ዮም፡ ጥፍኣት’ውን ናብ ጥቓኦም ኣይቀርብን’ዩ። ነብዪ እግዚኣብሔር ኤርምያስ፡ ብዛዕባቶም ንቓል እግዚኣብሔር ካብ ህይወቶም ዝደርበዩ ሰባት ብምግራም ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ጸሓፈ።
<<እንሆ፡ እዝኖም ዘይተገዝረ’ዩ፡ ኪሰምዑ ኸኣ ኣይክእሉን’ዮም። እንሆ፡ ቃል እግዚኣብሔር ነውሪ ዀይንዎም’ዩ’ሞ፡ ባህ ኣየብሎምን። እምበኣርከ ምእንቲ ኺሰምዑ ንመን ደኣ ኽዛረብ፡ ኣብ ቅድሚ መንሲ ኽምስክር’ዩ። . . . ናብ ቃላተይ ኣየድህቡን፡ ንሕገይ ከኣ ደርብዮምዎ’ዮም’ሞ፡ ኣብ’ዚ ህዝቢ’ዚ መዓት ከምጽእ’የ፡ ንሱ ኸኣ ፍረ ሓሳቦም’ዩ።>>
<<እዞም ጠበበኛታት’ዚኣቶም ኪሓፍሩን ኪስምብዱን ኪተሓዙን’ዮም። እንሆ፡ ቃል እግዚኣብሔር ወጊዶምሲ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን ኣለዎም’ዩ፧>> ኤር 6፡10,19 8፡9
እዞም ነብዪ ኤርምያስ፡ <<ቃል እግዚኣብሔር ከም ዘወገዱ ገይሩ ዚገልጾም ዘሎ ሰባት፡ ንቓል ኣምላኽ ኣዝዮም ዚጽየፉ ሰባት’ዮም ነይሮም ማለት ኣይኰነን። አረ ብኣንጻሩ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ዚምክሑ ሰባት’ዮም ነይሮም። እቲ ነብዪ ባዕሉ’ውን፡
<<ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡ “ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና’ሎ” እትብሉ ዘለኹም፧>>
ኢሉ ኣሎ (ኤር 8፡8)። ስለ’ዚ እቲ ሕጊ ኣብ ኢዶም እናሃለወ’ዮም ደርብዮምዎን ወጊዶምዎን ማለት’ዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሕቶ ዜለዓዕል’ዩ።
ብኸመይ ኢና ንቓል እግዚኣብሔር ኣብ ኢድና እናሃለወን እናፈለጥናዮን ከነወግዶ እንኽእል፧ ብርግጽ፡ እቲ ነዚ እንገብረሉ መገዲ ዘይምእዛዝ’ዩ። ነቲ እተንብቦን እትሰምዖን እትሰብኮን ቃል ብዛዕባ ምፍጻሙ ዘይትግደስን ዘይትምርሓሉን እንተ ዄንካ፡ ኣብ ኢድካ እናሃለወ ደርቢኻዮ ኣለኻ ማለት’ዩ። እዞም ነብዪ ኤርምያስ ዚዛረበሎም ዘሎ ህዝቢ፡ ዝወደቚን ዝተጋገዩን ህዝቢ’ዮም ዝነበሩ። እቲ ውድቀቶም ድማ ኣብ’ቲ ዕለታዊ ተግባሮምን ማሕበራዊ ናብራኦምን ግሁድ ምንባሩ እግዚኣብሔር በቲ ነብዪ ገይሩ ገሊጽዎ’ሎ።
<<ዝወደቐስ ኣይትንስእንዶ’ዩ፧ መገዲ እተጋገየኸ ኣይምለስንዶ’ዩ፧ ስለምንታይ ደኣ’ዚ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም፧ ኣብ ተንኰል ይጸንዑ፡ ምምላስ’ውን ይኣብዩ። ጽን ኢለ ሰማዕኩ፡ ቅንዕና ኣይዛረቡን፡ ካብ ክፍኣቱ ዚጠዓስ፡ “እንታይ (ግብሩ)’የ ዝገበርክዎ፧” ዚብል ከኣ የልቦን። ከም’ቲ ናብ ኵናት ዚፋንን ፈረስ፡ ነፍሲ ወከፍ (ናብ ጥፍኣት) ይጐይዪ ኣሎ። . . . ህዝበይ ፍትሒ እግዚኣብሔር ኣይፈልጥን’ዩ።>> ኤር 8፡4-7
ከም’ዚ እናገበሩ’ዮም፡ <<ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና’ሎ>> ዚብሉ ዝነበሩ። ደርብዮምዎ ኸም ዘለዉ ግና ብግብሮም ኣረጋገጹ። ነብዪ ህዝቅኤል’ውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ገሊጹ ኣሎ።
<<ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ደቂ ህዝብኻ . . . ብዛዕባኻ ይዘራረቡ ኣለዉ። ንሓድሕዶም፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ “እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ስምዑ” ይበሃሃሉ ኣለዉ። ከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ድማ ናባኻ ይመጹ፡ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፡ ቃላትካ’ውን ይሰምዑ’ለው፡ ግናኸ ኣይገብርዎን’ዮም። ብኣፎም (ነቲ ቓል) ፍቕሪ የርእዩ’ለዉ፡ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም’ዩ ዚኸይድ። እምበኣርሲ ንስኻ ከም ቅኔ ፍቕሪ (ዚቕነይ)፡ ከም’ቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ (ደራፋይ)፡ ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል (ሙዚቀኛ) ዀንካዮም። ቃልካ’ውን ይስምዑ’ለዉ፡ ግናኸ (ፈጺሞም) ኣይገብርዎን’ዮም።>> ህዝ 33፡30-33
እምበኣር ንሕና’ውን፡ ከም ህዝቢ ኣምላኽ፡ ከም ክርስትያን ህዝቢ ዄንና ናብ ቤተ ክርስትያን መጺእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንቕመጥ ኣለና። ነቲ ኻብ ልሳን ኣገልገልትና ዚወጽእ ጥዑም ቃል መስቀል’ውን ብዝተሰብኮ መጠን ንሰምዖ ኣለና። መብዛሕትና’ውን ንኻልኦት ንምህረሉን፡ ምስ ዚመስሉና ሰባት’ውን ንዘራረበሉ ንኸውን። እቲ ወሳኒ ግና እቲ ቓል-መስቀል ኣብ ህይወትና ይሰርሕ ምሕላውን ዘይምህላውን’ዩ። እቲ ኣብ እዝንናን ልብናን በጺሑ ኼብቅዕ ኣብ ናብራና ኸይተጋህደ ዝተረፈ ቓል፡ ሓይሊ ድማ ምድሓን ጥራሕ ዘይኰነ ሓይሊ-ፍርዲ’ውን ኣለዎ። እቲ ሊቀ መዘምራን’ውን ዝነበረ ነብዪ ኣሳፍ፡ ነቶም ንቓል ኣምላኽ ብኣፎም ዜፍቅርዎ ብግብሮም ግና ዚድርብይዎ <<ረሲኣን>> ኢሉ ዝሰመዮም ሰባት ዝበሎ ቓል ኣብ ልዕሌና ኸይበሃል ክንጥንቀቕ ይግብኣና።
<<ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፡ “ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፡ ቃላተይ’ውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓተይ እትነግር፧ ንኺዳነይ’ውን ብኣፍካ እተውስኦ፧ ሰራቒ ምስ ረኣኻ ምስኡ ሓበርካ፡ ክፍልኻውን ምስ ኣመንዝራታት ነበረ። ኣፍካ ንኽፉእ ፈኖኻዮ፡ መልሓስካ’ውን ጥበራ ትፍሕስ። ተቐሚጥካ ንሓውካ ትሓምዮ፡ ንወዲ እኖኻ’ውን ተነውሮ ኣለኻ። እዚ እናገበርካስ ኣነ ስቕ በልኩልካ፡ እህ፡ ከማኻ ዝዀንኩ መሲሉካ ኢኻ። ግናኸ ኣነ ኽግስጸካ (ክፈርደካ)፡ ንሓጢኣትካ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸቚሞ’የ።>> መዝ 50፡16-21
ቃል መስቀል እምበኣር፡ ካብ ከም’ዚ ዝተጠቕሰ ዓይነት ህይወት እንተ ዘይኣድሒኑካ፡ ኣብ ኢድካ ዀነ ኣብ ልብኻ ምህላዉን ኣጸቢቕካ ስለ ዝፈለጥካዮን ጥራሕ ይጐዳኣካ’ምበር ዜርብሓካ ነገር የብሉን። ኣብ ዓይኒ ማይ እናሃለወ ብጽምኣት ከም ዚመውት፡ መድሃኒቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኽነሱ ኸም ዚመውት ሕሙም ኢኻ እትኸውን። ሓይሊ ድሑናት ኣብ ኢድካ ሒዝካ፡ ብሓይሊ ሓጢኣት ተሰኒፍካ ኻብ ሙማት ዚኸፍእ ወጽዓን ዕሽነትን ኪህልው ድማ ኣይክእልን’ዩ።
ናይ ቃል መስቀል ሓይሊ-ምድሓን ብኸመይ’ዩ ዚግለጽ፧ ናይ ዝዀነ ነገር ሓይሊ በቲ ዜስልጦ ስራሕ’ዩ ዚምዘን፡ ቃል መስቀል ዜድሕን ሓይሊ ናይ ኣምላኽ ኻብ ኰነ፡ እንተ ተዓጢቕናዮን እንተ ተጠቒምናሉን ኣብ ህይወትና ዜግህዶ ግብሪ ድሕነትን ሓይሊ ድሕነትን ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ውጽኣት’ዚ ድማ ኣብቶም ንቓል- መስቀል ኣሚኖም ዝተቐበልዎን፡ ብእምነት ምስ ህይወቶም ዘዋሃድዎን፡ ብግብሪ ዚፍጽምዎን ዚምርሑሉን ሰባት ጥራሕ’ዩ ዚገሃድ።
እቲ ቐዳማይ ውጽኢት ቃል መስቀል፡ ንጽድቂ እነፍቅረሉ ንሓጢኣት ከኣ እንጽየፈሉ ዓቕምን ሓይልን ዜዕጥቐና ምዃኑ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ልብና ፍርሃት ኣምላኽ የሕድረልና። ክትገብሮ ዘይክትገብሮ፡ ኣብ ልብኻ ቕድም ባህጊ ኺህልወካ ኣለዎ። ባህጊ ጽድቂ ዘይብሉ ሰብ፡ ጽድቂ ናይ ምግባር ተበግሶ’ኳ ኺወስድ ኣይክእልን’ዩ። ንሓጢኣት ከይትፍጽሞ እንተ ደሊኻ ድማ፡ ንኽትጽየፎ ዜኽእለካ ጽልኣት ኣብ ውሽጥኻ ኪህልው ናይ ግድን’ዩ። ነዚ ፍቕሪ ጽድቅን ጽልኣት ሓጢኣትን ኣብ ልብና ዚዘርኣልናን ዜብቊለልናን ድማ ቃል-መስቀል’ዩ። ምኽንያቱ ጽድቂ ኸም ዚቐርበልና፡ ሓጢኣት ድማ ከም ዚርሕቀልና ዝተገብረ ኣብ መስቀል’ዩ (ቈሎ 2፡14፣ እብ 9፡28፣ 1ጴጥ 2፡24)። ንጉስ ሰለሞን፦
<<ንእግዚኣብሔር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ’ዩ፡ ኣነ’ውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ’የ።>>
ብምባል ነቲ ሓቂ ኣረጋጊጹልና’ሎ (ምሳ 8፡13)። እቲ ንሓጢኣት ዚጸልእን ዚጽየፍን፡ እቲ ጽድቂ ዜፍቅርን ዚናፍቕን ጥራሕ’ዩ። ኣይ ኣብ’ቲ ኣይ ኣብ’ዚ፡ ሓዲግን ባዶን ክንከውን ኣይከኣልን’ዩ። ሳይንሳውያን፡ <<ፍጥረት ባዶነት ይጸልእ>> (Nature hates vaccum)፡ ከም ዚብሉ፡ ሓጢኣት እንተ ተወጊዱ ብጽድቂ ኺትኻእ ናይ ግድን’ዩ። ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ ህላወ ኣብቂዑ’ሎ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ፍርሃት ኣምላኽ እንተ’ል’ዩና፡ ጽድቂ እነፍቅር ሓጢኣት እንጸልእ ኴንና’ለና ማለት’ዩ። እቲ ንጽድቂ ዘሎና ፍቕሪ፡ ንጽድቂ ኽንጠምዮን ክንጸምኦን’ዩ ዚገብረና። እዚ ድማ ኣዝዩ ዓብዪ መንፈሳዊ ዓወት’ዩ። ነዚ ዓወት’ዚ ዜጐናጽፈና ድማ፡ እቲ ሓይሊ ምድሓን ዜጸግወና ቃል መስቀል’ዩ። ጐይታና፦
<<ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ’ዮም’ሞ፡ ብጹኣን’ዮም።>>
ዚብል ቃል ተስፋ ሂቡና’ዩ (ማቴ 5፡6)። ኵሉ ግዜ ጽውዓ ኪቐርብ ከሎ ነቶም ዝሰኣኑ’ሞ ዚብህግዎ’ዩ ዚቐርበሎም። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንህዝቢ ኺጽውዕ ከሎ፡ <<ዝጸምአ እንተ’ሎ ናባይ ይምጻእ’ሞ ይስተይ>> እዩ ዝበለ (ዮሃ 7፡37)። ነቶም ዕረፍቲ ዚምነዩ ጽዑራት ከኣ፡ <<ኣቱም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ኵልኹም፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ>> ኢሉ ዓደመ፡ (ማቴ 11፡28)። ነቶም ምስ ሓጥኣን ስለ ዝበልዐ ዝፈረድዎን ዝነዓቕዎን ድማ፡ ዕላማ ናይ’ቲ ቐዳማይ ምጽኣቱ እንታይ ምዃኑ፡
<<ንሓኪምሲ ሕሙማት’ምበር ጥዑያት ኣይደልይዎን’ዮም። ኣነ ንሓጥኣን’ምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን።>>
ብምባል ገለጸሎም (ማቴ 9፡12,12)። ስለ’ዚ ንጽድቂ እንጠምዮን እንጸምኦን ምዃንና፡ ብእኡ እንጸግበሉ ዕድል’ዩ ዜርሕወልና። እቲ ሕጊ መለኮት’ውን፦
<<ዝለመነ ዅሉ ይቕበል፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለ’ውን ይኽፈተሉ’ዩ።>>
ብምባል ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ 7፡7,8)። ስለ’ዚ እቲ ዝሰማዕናዮን ዝኣመንናዮን ቃል መስቀል፡ ኣብ ውሽጥና ጽምኣት ጽድቅን ጽልኣት ሓጢኣትን ብምሕዳር፡ ብሓይሊ ምድሓን ክንዕወት ይረድኣና ማለት’ዩ።
እቲ ኻልኣይ ውጽኢት ቃል መስቀል ድማ፡ ምእዛዝ’ዩ። ዝጸማእካዮ ማይ ምስ ረኸብካዮ እንተ ዘይሰተኻዮ፡ ጽምኣትካ እንታይ ትርጒምን ረብሓን ኣለዎ፧ ጽድቂ ዚጠምይን ዚጸምእን ሰብ ድማ፡ ጽድቂ ዚጠልብ ኵነታት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ግብሪ ጽድቂ ብምፍጻም ጽምኣቱ ኼርውይ ይግብኦ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ መድረኽ ብጽድቂ ኽንዕወት ዚገብረና ድማ እቲ ዝሰነቕናዮ ቓል-መስቀል’ዩ። ቃል-መስቀል ዘይብሉ ሰብ ግን፡ ዚእዘዞ ነገር’ውን የብሉን። ጐይታና ብዛዕባ ምእዛዝ ኪዛረብ ከሎ፦
<<እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ’ሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ’ዩ ዜፍቅረኒ። . . .>>
ብምባል፡ ትእዛዛቱ እንተ ዘይብልካ፡ እትእዘዞ ነገር’ውን ከም ዘይህልወካ ኣረጋጊጹልና’ሎ (ዮሃ 14፡21)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፦
<<እቲ ቓል (ቃል መስቀል) ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ (ቀረባኻ)’ዩ፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንስብኮ ቓል-እምነት’ዩ።>>
ብምባል ቃል መስቀል ኣብ ኣፍናን ኣብ ልብናን ምህላዉ ኣረጋጊጹልና’ሎ (ሮሜ 10፡8)። እዚ ቓል’ዚ ኣብ ኣፍናን ልብናን ቀረባና ኪኸውን ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ኣብ’ቲ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ናይ ነብዪ ሙሴ ቓል ብንጹር ተጠቒሱ ኣሎ።
<<እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቀረባኻ’ዩ።>> ዘዳ 30፡14
ስለ’ዚ እግዚኣብሔር ቃሉ ዚህበና ንምእዛዝና ምእንቲ ኼዕዝዞ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግብኣና። ምኽንያቱ ምእዛዝና’ዩ ናይ’ቲ ብምእዛዝ ክርስቶስ ዝተረኽበ ጽድቂ ተኻፈልቲ ዚገብረና። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
<<እምበኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ (ኢየሱስ) እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ’ዮም’ሞ፡ ከም’ቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኵሉ ሰብ መጸ።>> ሮሜ 5፡18,19
ስለ’ዚ ነቲ ዝተገልጸልና ቓል መስቀል ክንእዘዝ ከለና፡ ናብ’ቲ ብምእዛዝ ክርስቶስ ዝተረኽበ ነባሪ ጽድቂ መእቶ (access) ንረክብን ተማቐልቲ ጽድቂ ንኸውን ማለት’ዩ። ንጽድቂ እንተ ዘይተኣዘዝና ግና ንዓመጻ ንሓጢኣት ኢና ኽንእዘዝ (ሮሜ 2፡6-10)። እምበኣር ኵሉ ጊዜ፡ ነቲ ናይ ምእዛዝ ኣርኣያ ናይ ጐይታናን ኵላቶም ቅዱሳኑን’ምበር፡ ነቲ ናይ ሰይጣንን ናይ ቀዳሞት ወለድና ናይ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ዘይምስዓብና እንታይ ተመዲቡሎም ከም ዘሎ፦
<<ከም’ቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም ምስጋና ደኣ’ምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይ ስሰዐ ከቶ ኣይሰማዕኩም። ዜሕፍር (ዘረባ) ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛ’ውን ኣይሰማዕኩም። ኣመንዝራ ዘበለ፡ ርኹስ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ትፈልጡ ኢኹም። ብሰሪ’ዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቊጥዓ ኣምላኽ ይወርድ’ዩ።>>
<<ስለ’ዚ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ እቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ ቕተሉ። ብሰሪ’ዚ ነገራት’ዚ ቚጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ንእግዚኣብሔር ዘይእዘዝዎ (ደቂ ዘይምእዛዝ) ይወርድ ኣሎ።>>
ብዚብል ሃዋርያዊ ቓል ተገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 5፡3-6፣ ቈሎ 3፡5,6 ካ.ት)። ስለ’ዚ ዋላ ሓደ’ኳ ናይ’ቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቀና ኽንጥንቀቕ ይግብኣና (እብ 4፡11)። ነዚ ዅሉ ኽንገብር ዜኽእለና፡ እቲ ሓይሊ ድሑናት ዝዀነ ቓል መስቀል’ዩ። ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ኣጽዋርና፡ ናይ መንፈስ ሰይፍና’ዩ (ኤፌ 6፡17)። ነቲ ኻብ ምእዛዝን ጽድቅን ኪዕንቅፈና ዚጋደል ኵሉ ኵነታት፡ ሰብ ኰነ መንፈስ ብቓል ኣምላኽ ኢና እንዋግኦ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነጊሩና ኸም ዘሎ ድማ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ ህያውን መስለጥን ኣጽዋርና’ዩ (እብ 4፡12)። እቶም ንሰይጣንን ግድላቱን ስዒሮም ንኽብሪ ዝበቕዑ ዅሎም ቅዱሳን፡ ሳላ ደም’ቲ ገንሸልን ሳላ’ቲ ዝዓጠቕዎ ቓል-ምስክሮምን’ዮም ዝስዓርዎ (ራእ 12፡11)።
እምበኣር ንሕና’ውን ነዚ ሓይሊ ድሑናት ዝዀነ ቃል መስቀል ኣጥሪናዮን ተዓጢቕናዮን፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ንምርሓሉን ንእዘዞን ምህላውና ነረጋግጽ። ብዘይ ቃል መስቀል ናብ ምሉእ ድሕነትን፡ ናብ’ቲ ምእንታና ዝተሰቕለ ጐይታ ዝኣተዎ ኽብርን መንግስትን ኪኣትው ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣስተውዒልና፡ እቲ ቓል ኣብ ልብናን ኣብ ኣፍናን ከም ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ማሕበራዊ ህይወትና ድማ ንነብረሉ ኸም ዘለና ምሉእ ርጉጽነት ይሃልወና። ከምቶም ቃል መስቀል እናሃለዎም ዝደርበይዎ፡ እናፍቀሩ ዚጸልእዎ ዝዓይነቱ ህይወት ዘለዎም ግርምቢጥ ሰባት ካብ ምዃን ርእስና ነድሕን።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ መስከረም ፳፫, ፳፻፲፬ ግዕዝ (3 ጥቅምት 2021 ፈረ). 4ይ ሰንበት: ቊ.4/፬ ] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ቆሮ.1፣17-ፍ.ም | 1ጴጥ.4፣1-11 | ግብ.2፣22-32 | ማር.8፣27-ፍ.ም | ዘእግዚእነ(ነአኩተከ) |
መዝ.፶፱፣4። ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ። ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት። ወይድኀኑ ፍቁራኒከ። መዝ. 60፣4። ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፣ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም። |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ