"ኣምላኽን ነቦን ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።"ኤፌ 5፡20,21
ካብ’ቶም ነዚ ዕለት’ዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ተሰሪዖምልና ዘለዉ ንባብት ሓድሽ ኪዳን ኣብ’ቲ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ፡ እዚ ኣብ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ዚርከብ ኣገዳሲ ሓሳብ ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብ ኵሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ዕዉታት ዚገብረና ረዚን መንፈሳዊ ሓቂ ድማ’ዩ። ንዝምድናታትና ዚበታትኾን ዜበላሽዎን ዘሎ ኸኣ፡ ንኣገዳስነት ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኸነስተውዕሎን ክንእዘዞን ስለ ዘይከኣልናን ስለ ዘይመረጽናን’ዩ። እዚ ኣብ ማእከሉ እንነብር ዘለና፡ ንሕና’ውን ኣካሉ ዝዀንና ቔናን ወለዶ፡ ብገለ ምኽንያት ተገዲዱ ኺገብሮ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኸማኻ ሰብ ምእዛዝ ከም ዜሕፍር ዕሽነትን ሕመቕን ገይሩ ዚርእይ ውዱቕ ወለዶ’ዩ። ንሕና ክርስትያን ህዝቢ ድማ፡ <<ካብ’ዚ ቔናን ወለዶ’ዚ ድሓኑ>> ዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ተቐቢልና ኸነብቅዕ፡ በዚ ቔናን ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ክንመላለስ ንርከብ ኣለና (ግብ 2፡40)። እምበኣር በዚ ዕለት’ዚ መኣዝን ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን ኣቕኒዕና፡ ካብ’ዚ ቔናን ወለዶ ኣምሊጥና፡ ኣብ’ቲ ወለዶ ሕሩያት ምእንቲ ኽንጽምበር፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ መለኮታውን ሃዋርያውን ጥበብ’ዚ ኽንመሃሮ ሰሪዓትልና ኣላ።
ምእዛዝ፡ ንምንታይ’ዩ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ኣገዳሲ ዚኸውን፧ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኰነ ቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ናይ ምእዛዝ ኣገዳስነት ብዝተፈላለየ መገድን ጥበብን ገሊጾምልና’ዮም። ብፍላይ ጐይታና፡ ምእዛዝ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ምዃኑ ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ።
<<እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልዉ። . . . እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ’ሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ’ዩ ዜፍቅረኒ።. . . ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ ቃለይ ይሕልው’ዩ። . . . እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን’ዩ። . . .>>ዮሃ 14፡15,21,23,24
ካብ’ዚ ናይ ጐይታ ቓል ከም እንርድኦ’ምበኣር፡ ብመለኮታዊ መለክዒ፡ ካብ ምእዛዝ ወጻኢ ኻልእ ናይ ፍቕሪ መግለጺ የልቦን። እዚ ድማ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ኣብ ሓድሕድና ዘሎና ፍቕሪ’ውን ዜጠቓልል ሓቂ’ዩ። ዝዀነት ትኹን፡ “ፍቕሪ ኽትገልጽ ትኽእል’ያ” እንብላ ተግባር እንተ’ልያ፡ ኣብ’ቲ ናይ ኣምላኽ ትእዛዛት ዘየላን ዘይተረቝሐትን ክትከውን ኣይትኽእልን’ያ። ብርግጽ፡ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ነቲ ሓጥእ ተግባራት ከም ዘየጠቓልል ርዱእን ግሉጽን’ዩ። ሓጥእ ተግባር ድማ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ኪኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ኣብ ከባቢና ዚዝውተር፡ ገሌና’ውን ብኸምኡ ዝሓለፍና ጾታዊ ሃነይነይታን ምንዝርናን ዝሙትን <<ናይ ፍቕሪ መግለጺ’ዩ>> ኢልና ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ኣብ ድቕድቕ መንፈሳዊ ጸልማት ከም ዘለና ኽንፈልጥ ጽቡቕ’ዩ። ንሓደ ኣንጻር ጾታ ንምንዝርናን ዝሙትን ኣፍቂርካዮ ማለት፡ ናብ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ንኽትመርሖን ንኸተእትዎን ኣፍቂርካዮ፡ ብኣንጻሩ ኻብ ጽድቅን ቅድስናን ካብ ዘለኣለማዊ ህይወትን ድሕነትን ከተርሕቖ ኣፍቂርካዮ ማለት ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ስለ’ዚ “ጥዕና ዘለዎ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣፍቂርና” ኽንብል እንኽእል፡ እቲ ፍቕርና እንገልጸሉ መገዲ ካብ ደምበ ወይ ክልሊ (domain) ናይ ትእዛዝ ኣምላኽ ዘይወጸ ምስ ዚኸውን ጥሪሕ’ዩ። ጐይታና፡ ካብ ኵሉ ትእዛዛት እታ ዝዓበየት፡ ፍቕሪ ምዃና ገሊጹልና’ዩ። እዛ ፍቕሪ‘ዚኣ ድማ ንፍቕሪ ኣምላኽን ንፍቕሪ ብጻይን እተጠቓልል’ያ። ብርግጽ ካብ ፍቕሪ ሰብ ንላዕሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዓበየ’ዩ። ፈሪሳውያን ኪዕዘብዎን ኪፈታተንዎን ዓሊሞም ኣብ ዘቕረቡሉ ሕቶ፡ ጐይታና ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣነጺሩ መሊስዎ’ዩ።
<<ፈሪሳውያን ድማ ኣፍ ሰዱቃውያን ከም ዝዓጸወ ሰሚዖም፡ ብሓደ ተኣከቡ። ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኪዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ ኣብ ሕጊ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡” እዚእ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ’ያ። እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ያ። ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ፡” በሎ።>>ማቴ 22፡34-40
ከም’ቲ ጐይታ ገሊጽዎ ዘሎ፡ ፍቕሪ በቲ ኣብ ሕጊ ኦሪትን ነብያትን ሃዋርያትን ዘሎ ትእዛዛት ጥራሕ’ያ እትግለጽ። ኵላቶም ሃዋርያት’ውን ነዛ ሓቂ’ዚኣ’ዮም ደጋጊሞም ዝገለጹ።
<<እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ’ሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ’ኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ “ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡” እተባህለ፡ ካልእ (ኵሉ) ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት’ዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ’ያ።>> ሮሜ 13፡8-10
<<ፍቕሪ ዓቃል’ያ፡ ፍቕሪ ለዋህ’ያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን’ያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ’ምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን’ዩ። ኵሉ ትጸውር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትዕገስ።>>1ቈረ 13፡4-7
<<ማለት፡ ኵሉ’ቲ ሕጊ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ብእትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም’ዩ።>> ገላ 5፡14
እምበእር፡ ፍቕሪ ብምእዛዝ’ያ ትግለጽ፡ ትእዛዝ ከኣ ብፍቕሪ’ዩ ዚፍጸም። ኣብ ዓለምና ናይ ፍቕሪ መግለጺ ዚበሃል እቲ ብጾታዊ ርክብ ዚፍጸም ዝሙትን ምንዝርናን’ዩ። ኣብ ናይ ክርስትና ዓለም ግን ንኣምላኽን ንሰብን ዘሎካ ፍቕሪ፡ ብዘይ ምዝማው’ዩ ዚግለጽ። ስለ’ዚ እቲ “ኣይትዘምው” ዚብል ትእዛዝ ፍቕራዊ፡ ትእዛዝ’ዩ። ዘይምስራቕ፡ ዘይምሕሳው፡ ዘይምቕናእ፡ ካልእ ኵሉ ትእዛዛት’ውን፡ ልክዕ ከም’ቲ ዘይምዝማው፡ ፍቕራዊ ተግባር’ዩ። ናይ ምእዛዝ ኣገዳስነት’ምበኣር መግለጺ ፍቕሪ ምዃኑ’ዩ። ምእዛዝ ከቢድ ኰይኑ ዚስምዓናን ዓቕልና ዜጽብበልናን፡ ነዚ መሰረታዊ ዕላማኡ’ዚ ስለ ዘይተረዳእናዮ’ዩ። ስለ’ዚ ኽንእዘዝ ዘይምድላይና ኽልተ መልእኽቲ’ዩ ዜመሓላልፍ። እቲ ቐዳማይ፡ ናይ ምእዛዝ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ዘይንፈልጥ ኣብ መንፈሳዊ ድንቍርና ዘለና ምዃንናዩ። እቲ ንብዙሓት ሰባት ዘይብሎም ፍቕሪ ሃልዩካ ኼብቕዕ፡ ብኸመይ ከም እትገልጾ ስኣን ምፍላጥካ፡ ፍቕሪ ኸም ዘይብሉ ሰብ ዄንካ ኻብ ምንባር ዚኸፍእ ካልእ እንታይ ወጽዓ ኣሎ፧ እንጌራ ሒዙ ኸም ዚጠምይ፡ ማይ ሒዙ ኸም ዚጸምእ፡ መድሃኒት ሒዙ ኸም ዚሓምምን ዚመውትን ሰብ ምዃን ማለት’ኮ’ዩ!! እቲ ኻልኣይ ናይ ዘይምእዛዝና መልእኽቲ ድማ፡ ብመሰረቱ ፍቕሪ ዘይብልና ምዃንና ዜቃልዕ’ዩ። እዚ ፍቕሪ ዚበሃል ክቡር መንፈሳዊ ንብረት እንተ ዘይብልካ፡ ይትረፍ ክርስትያን፡ ብመሰረቱ ሰብ’ውን ስለ ዘይኰንካ፡ ምእዛዝ ንኣኻ ጓና ሓሳብ’ዩ ዚኸውን። ምናልባት ሕጊ ናብራ ኣገዲዱካ እንተ ተኣዘዝካ’ውን፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ኸም ፍቕሪ ኸም ዘይቍጸረልካ ርዱእ ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ ምእዛዝና ትርጕምን ጻማን ምእንቲ ኺህልዎ፡ ፍቕራዊ ተኣዝዞ ምዃኑ ኸነረጋግጽ ይግብኣና።
ሓድሕዳዊ ምእዛዝከ ከም’ቲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ኵሉ’ቲ ሓቂ ሕጂ’ውን ኣብ’ታ ፍቕሪ’ዩ ዚጠቓለል። ጐይታና፡ ነታ <<ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ>> እትብል ትእዛዝ ምስታ <<ንኣምላኽ ኣፍቅሮ>> ኣልጊቡ ኻልኣይቲ ገይሩ ዝሰርዓሉን <<ንእኣ እትመስላ>> ኢሉ ዝሰመየሉን ምኽንያት ይፈልጥ’ዩ። ምኽንያቱ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ፍቕሪ ብጻይ’ያ እትግለጽ። ኣብ’ታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ድሮ ስቕለቱ ዝነበረት ዝተባረኸት ምሸት፦
<<ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከም’ቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ንሓድሕድኹም ኽትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ’ላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም (ንኣይ ከም እተፍቅሩኒ) ዅሉ ኺፈልጥ’ዩ።>>
ብምባል፡ ፍቕሪ ሓድሕድ ትእምርቲ ደቀ-መዝሙርነት ምዃና ኣረጋጊጹልና’ዩ (ዮሃ 13፡34,35)። ናይ ፍቕሪ ብጻይ ኣገዳስነት ኣጕሊሑ ዘርኣየና ግና፡ እቲ ፍቁር ወደ መዝሙር ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ’ዩ።
<<ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ (ኣምላኽ) ንፈልጣ አሎና። ንሕና’ውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና’ዩ። ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት’ዛ ዓለም’ዚኣ ዘለዎ’ሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዓጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ’ላ ኣብኡ ትነብር፧ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን’ምበር፡ ብቓልን ብልሳንን (ጥራሕ) ኣይንፋቐር።1ዮሃ 3፡16-18
<<ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ’ያ’ሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ’ዩ፡ ንኣምላኽ’ውን ይፈልጦ’ዩ። እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን’ዩ። . . .ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም . . . ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።. . . ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን’ዩ’ሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ አፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ’ዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ’ዚ’ዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።1ዮሃ 4፡7,8,12,16,20,21
እምበኣር ንሓዉ ዘየፍቀረ ንኣምላኽ ኬፍቅር ዘይክእል እንተ ዀይኑ፡ ንሓዉ ዘይተኣዘዘ ድማ ንኣምላኽ ኪእዘዝ ኣይክእልን ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ምእዛዝ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ምዃኑ ኣቐዲምና ወዲእናን ደምዲምናን ኢና። ብዘይ ምእዛዝ ኪግለጽ ዚኽእል ፍቕሪ ስለ ዘየለ፡ እቲ ዜፍቅር ኪእዘዝ ናይ ግድን’ዩ።
እቲ ኽንእዘዞ ዚግብኣና ሰብ ከመይ ዝበለ’ዩ፧ ንዅሉ ሰብ ዲና ንእዘዝ ወይስ ንፍሉያት ሰባት ጥራሕ’ዩ፧ ዓለምን ባህልናን ዜስተምህሩና ተኣዝዞ፡ ብዕድመ፡ ብስልጣን፡ ብትሕዝቶ፡ ወዘተ ንዚበልጹና ሰባት ምእዛዝ ጥራሕ’ዩ። ጐይታናን ቅዱሳኑን ግና ከምኡ ኣይመሃሩናን። እቲ ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ እቲ መግለጺ ፍቕሪ ዝዀነ ምእዛዝ ድማ ንዅሉ ሰብ’ዩ። ንሰብ ብማሕበራዊ ጽፍሑ (ወይ ደረጃኡ) ዘይኰነስ፡ በቲ ብምስሊ ኣምላኽ ብምፍጣሩ ዝረኸቦ ኽብሪ ኽንመዝኖን ክንርእዮን’ዩ ዚግባእ። ብመሰረቱ “መንና ይበልጽ፧” ወይ “መንና ይዓብይ፧” ኢልና ንሓድሕና ኸነወዳድር፡ ክርስቶስ ዘይቅበሎን ዚጻረሮን ተግባር’ዩ። ደቀ መዛሙርቱ በዚ ዘይመንፈሳዊ ኣርእስቲ ንሓድሕዶም ኪዘራረቡ ምስ ሰምዖም፡ ጐይታና ደጋጊሙ ገኒሕዎም’ዩ (ሉቃ 9፡46-48፣ 22፡24-27)። ጐይታና ብዛዕባ ሓድሕድና ኺህልወና ዘለዎ ኣረኣእያ፡
<<ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ’ዩ’ሞ፡ “መምህራን” ኣይትብሃሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ’ዩ’ሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ’ኳ “ኣቦይ” ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ’ዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ’ዩ’ሞ፡ ንስኻትኩምሲ “መራሕቲ” ኣይትብሃሉ። እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። ርእሱ ዘልዓለ ኺሓስር፡ ርእሱ ዘትሓተ ኸኣ ልዕል ኪብል’ዩ።>>
ብምባል ገሊጹልና’ዩ (ማቴ 23፡8-12)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን እቲ ንሓድሕድና ክንእዘዝ ዚሕግዘና ኽቡር መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና’ዩ።
<<ሓንቲ’ኳ “ንርእሰይ ይጥዓመኒ” ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ (ነቲ ብጻዩ) ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ’ምበር፡ ንርእሱ ዚሕሾ ኣይጠምት።>>ፊሊ 2፡3,4
<<ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ’ምበር፡ ሓደ’ኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለይ። . . . ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት’ምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደለኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ሰብ አሐጒስ ኣለኹ።>>1ቈረ 10፡24,33
ስለ’ዚ ኣሰር ክርስቶስን ሃዋርያቱን እንስዕብ ሓቀኛታት ኣመንቲ እንተ ዄንና፡ ነቲ ዚንእሰና ሰብውን ካባና ኸም ዚበልጽ ጌርና ብምርኣይ፡ ንእኡ ዜሕሾን ዚጠቕሞን ብምድላይ፡ ንኽንእዘዞ ጽቡቕ ፍቓድን ቅዱስ ጸዓትን ከነርእይ ይግብኣና’ዩ።
ንዅሉ ትእዛዛት ሰብ ዲና ኽንእዘዝ፡ ወይስ ክንኣብዮ ዚግብአና ትእዛዛት ሰብ ኣሎ’ዩ፧ ሓጥእ ንዘይኰነ ዅሉ ትእዛዛት ሰብ ክንእዘዝ ግቡእና’ዩ። ምስ’ቲ እግዚኣብሔር ዝሃበና ትእዛዛት ዚቃረን ዝዀነ ይኹን ትእዛዝ፡ መንነት ናይ’ቲ ኣዛዚኡ ብዘየገድስ፡ ክንቅበሎን ክንእዘዞን ኣይግባእን’ዩ። እንተ ተኣዘዝናዮ ኸኣ፡ ካብ ንኣምላኽ ንሰብ ኣዕቢና ስለ ዝረኣና ስለ ዘኽበርናን ናብ ዝኸፍአ ሓጢኣት ወዲቕና’ለና ማለት’ዩ (ገላ 4፡8,9፣ ቈሎ 2፡8,18-22፣ 1ቈረ 3፡23፣ ማቴ 15፡7-9)። ነቲ ንሱ ዘዳለዎ ጣኦት’ምበር ንኣምላኽና ኸይንሰግድ ዚእዝዝ ናይ ነቡካድነጻር፡ ናይ’ቲ ሓያልን ጨካንን ንጉስ፡ ትእዛዝ እንተ ወጸ’ኳ፡ ብዝዀነ ተኣምር ክንእዘዞ ኣይግባእን’ዩ። ነብዪ ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕርኽቱን፡ “እምቢ” ኢሎም ስለ ዘቕበጹ ናብ እቶን ሓውን ናብ ጕድጓድ ኣናብስን ኪድርበዩ’ዮም መሪጾም (ዳን 3፡1-30፣ 6፡1-24)። ካብ’ዚ ቕዱስ ኣርኣያ’ዚ ድማ ንኣምላኽ ከይትእዘዝ ዚገብር ዝዀነ ይኹን ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘየለ ኢና እንመሃር። ካብ ሞት-ስጋ ንላዕሊ፡ ዘይምእዛዝ ይኸፍእ። ምኽንያቱ ሞት ስጋ ጊዝያውን ቀሊልን’ዩ። ብዘይ ምእዛዝ ዚመጽእ ሞት-ነፍሲ ግን ከቢድን ዘለኣለማውን’ዩ። ዋላ ኽሳዕ ክሕደት ዜብጽሕ ኣይኹን፡ ክንዝምው፡ ክንሰርቕ፡ ኽንሕስው ዜገድድ ትእዛዛትን ጸቕጥታትን’ውን የጋጥሙና’ዮም። ናይ ሓጢኣትን ሞትን ካልእ መለሳ ስለ ዘየለ፡ ሓጢኣት ንዘበለ ዅሉ ፈጺምና ኽንእዘዝ ከም ዘይግብኣና ዘይንቕነቕ ጽኑዕ መትከልና ኪኸውን ይግባእ። ነቲ ናይ ኣምላኽ ትእዛዛት ከም መጐልበቢ ኽፍኣትና ተጠቒምና፡ ንሰብ ንዘይምእዛዝ ምኽንያት ከይንገብሮ ኽንጥቀቕ ግና ግቡእና’ዩ (1ጴጥ 2፡12-21፣ 1ቈረ 8፡8-13፣ 10፡23-33፣ ሮሜ 14፡13-22)።
ትእዛዛት ሰብ ብኸመይ’ዩ ዚቐርበልና፧ ሓደ ሰብ ዚህበና ትእዛዝ፡ <<ትእዛዝ>> ተባሂሉ ንኺስመይ፡ ናይ ግድን <<እዚ ግበር፡ ነዚ ኸኣ ኣይትግበር>> ብዚብሉ ቓላት ኪንደቕ ኣየድልዮን’ዩ። ብመልክዕ ምዕዶ፡ ትምህርቲ፡ ተግሳጽ፡ ልመና ወዘተ’ውን ኪቐርበልና ይኽእል’ዩ። ግደ ሓቂ መብዛሕትኡ ትእዛዛት ብኸም’ዚ መልክዕ’ዩ ዚቐርብ። ብኸምኡ ኪቐርብ’ዩ ኸኣ ዚግብኦ። ከም ናይ ጐይታን ባርያን ናይ ኣዛዝን ተኣዘዛን መልክዕ ሒዙ እንተ ቐሪቡ፡ ነቲ ናይ ፍቕሪ መኣዛ ስለ ዜጥፍኦ፡ ንዘይምእዛዝ’ዩ ዜተባብዕ። ስለ’ዚ ዋላ ኽንእዝዝ ከለና’ውን፡ ነቲ <<ንብጻይካ ኻብ ርእስኻ ኣብሊጽካ ምርኣይ>> ዚብል ሃዋርያዊ መምርሒ ዅሉ ጊዜ ኽንጥቀመሉን ኽንምርሓሉን ይግብኣና። እቲ ዚበዝሕ ጊዜ ዘይነቕልበሉ ዓይነት ትእዛዝ ግና እቲ ልመናዊ ትእዛዝ’ዩ። እዚ ትእዛዝ’ዚ ልኡምን ምቕሉልን ኣቀራርባ ሒዙ ስለ ዚመጽእ፡ ከም ትእዛዝ ጌርና ኣይነስተውዕሎን ኢና። እቲ ልመና ግና <<ካብ’ቲ እግዚኣብሔር ኣዕዚዙ ዝሃበካ ትሕዝቶ፡ እቲ ብጽሒተይ ሃበኒ>> ዚብል ትእዛዝ የቕርብ ከም ዘሎ ኺስተውዓል ይግባእ። እንተ ወሓደ ነቲ “ሃቦ” ዚብል ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ ኬዘኻኽረና ዚግባእ ከኣ’ዩ። እግዚኣብሔር’ውን ሉኣላዊ ኣምላኽ ክነሱ ንመብዛሕትኡ ትእዛዛቱ ምሕጽንታዊ መልክዕ’ዩ ዜትሕዞ (ህዝ 18፡31,32፣ ኤር 13፡15፣ ኢሳ 55፡1-3፣ ማቴ 11፡28-30፣ ዮሃ 7፡37፣ )። ሃዋርያት’ውን ከምኡ “እልምነኩም ኣለኹ፡ ንምዕደኩም ኣለና ወዘተ” ብዚብሉ ቓላት ነቲ ትእዛዝ ብመልክዕ ምሕጽንታ የቕርብዎ’ዮም (2ቈረ 2፡6,7፣ 5፡20,21)። ብፍላይ’ቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንፊልሞና ዘቕረበሉ፦
<<ስለ’ዚ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ፡ . . . ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ ኣለኹ። . . . እምበኣርሲ ኸም ሓው ትርእየኒ እንተ ዄንካስ ከም ነፍሰይ ጌርካ ተቐበሎ። እወ ኣታ ሓወይ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ እጠቐም፡ ብክርስቶስ ንልበይ ኣቕስነለይ።>>
ዚብል ምሕጽንታዊ (ልመናዊ) ኣቀራርባ ኣዝዩ መሳጥን ክትሕሰሞ ዜጸግምን፡ ንልብኻ ንተኣዝዞ ዜለስልስን’ዩ (ፊልሞን 8-10,17,20)። ስለ’ዚ ኽንእዝዝ ከለና ነቲ ምልካዊ ዓይነት ገዲፍና ነዚ ምሕጽንታዊ ጥበብ ክንጥቀም፡ እቶም ተኣዘዝቲ ድማ ነቲ ምሕጽንታዊ ትእዛዝ ብሰሪ’ቲ ልኡምን ምቕሉልን ኣቀራርባኡ ኸይንንዕቆ ክንጥንቀቕ ይግብኣና።
ንምእዛዝና ዜዕዝዞን ኣብ ኣምላኽ ንዘለዎ ተቐባልነት ዜዕብዮን እንታይ‘ዩ፧ ኣብ ባዕሉ ኣብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ተመልኪቱ ኸም ዘሎ፡ ምእዛዝና ብፍርሃት ኣምላኽ (ብፍርሃት ክርስቶስ) ዝተደረኸ ምስ ዚኸውን’ዩ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ትርጕምን ክብርን ተቐባልነትን ጻማን ዚረክብ። ሰብ ንኸምኡ ሰብ ዚእዘዘሉ ኻልእ ብዙሕ ድርኺታት ኺህልው ይኽእል’ዩ። ፍርሕን ረብሓን ናይ መብዛሕትኡ ሓድሕዳዊ ምእዛዝ ድርኺት’ዩ። እቲ ሓቀኛ ብኣምላኽ ኣኽብሮትን ዓስብን ዚርከቦ ምእዛዝ ግና፡ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዝተደረኸ እምነታዊ ምእዛዝ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቅዱስ ጴጥሮስ፡
“ስለ እግዚኣብሔር ኢልኩም፡ ንስርዓት (ንትእዛዛት) ሰብ ዘበለ ተገዝኡ”
ዝበለና (1ጴጥ 2፡13)። እቲ ምእዛዝና ምስ ኣምላኽ ዚዛመድ ዋላ ሓንቲ ዘይብሉ’ኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ንሰብ እንገብሮ ምእዛዝ፡ ምእንቲ (ስለ) ኣምላኽ ኢልና ኽንገብሮ ጥራሕ’ዩ ዚግባእ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፦
“ብቓል ኰነ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም (ስለ) ጐይታና ኢየሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኣመስግንዎ።”
“ እምበኣር እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰተኹም፡ ወይሲ ዝዀነ ይዅን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ (ኢልኩም) ግበርዎ።”
ኢሉና’ሎ (ቈሎ 3፡17፣ 1ቈረ 10፡31)። ስለ’ዚ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽካ፡ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ዘይትገብሮ ናይ ሰብ ተኣዝዞ፡ ከም ዝባኸነ ተግባር ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ዜፍርድ ዕልወታዊ ተግባር’ዩ ዚረኣይ ማለት’ዩ። ንኣምላኽ ዘግለለን ዝጐሰየን ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ተግባር፡ እቲ ዝኸፍአ ተግባር’ዩ። ናይ ኵሉ ህላዌናን ዝምድናታትናን መሰረት በይኑ እግዚኣብሔር ክነሱ፡ ንእኡ ኣግሊልና ናይ በይንና እንተ ገበርናዮ፡ ርኡይ ጥልመት’ዩ ዚኸውን።
እቲ ንሰብ ዘለና ተኣዝዞ ኺፍለዮ ዘይግባእ ካልእ ኣገዳሲ ረቛሒ ድማ፡ ንኣምላኽ ብዛዕባ ዅሉ ነገር ኵሉ ሳዕ ምምስጋን’ዩ። ምኽንያቱ ምእዛዝ ንኣምላኽ ምስጋና ኼዕዝዝ ዝተሰርዐ ቕዱስ ተግባር’ዩ (ማቴ 5፡16፣ 1ጴጥ 2፡12፣ 2ቈረ 9፡11-13)። እንተ ብቐጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ (ብመገዲ ሰብ) እንፍጽሞ ዅሉ ሰናይ ግብሪ፡ ኣብ ልቢ ሰባትን መላእኽትን ንኣምላኽ ዚኸውን ምስጋና’ዩ ዜዕዝዝ። ካብ ምእዛዝ ዚበልጽ ሰናይ ግብሪ ድማ ከቶ የልቦን።
እምበኣር ነቲ ምስ ኵሉ ቐረባና ዀነ ዚርሕቀና ሰብ ዘሎና ስብኣዊ ዝምድናታት ንፈትሽ’ሞ፡ ብምትእዝዛዝ ዝተሰለመ ምዃኑን ዘይምዃኑ ንመርምር። ነቲ ሓድሕዳዊ ምእዛዝ ድማ ነቲ መለኮታዊ ረቛሒታት ዘማልአ’ምበር ብናይ ሓጥእ ሰብ ባህላዊ ረቛሒታት ዘይተበከለ ምዃኑ’ውን ከነረጋግጽ የድልየና። በቲ ፈቲና ንሰብ እነርእዮ ምእዛዝ፡ ንኣምላኽ ክብርን ምስጋናን የዕዝዘሉ ምህላዉ’ውን ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ መስከረም ፴, ፳፻፲፬ ግዕዝ (10 ጥቅምት 2021 ፈረ). 5ይ ሰንበት: ቊ.8/፰ ] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ኤፌ 5፡21-ፍጻመ | 1ጴጥ 3፡1-9 | ግብ 21፡31-ፍጻመ | ዮሃ 3፡25-ፍጻመ | ዘእግዚእትነ ማርያም |
መዝ.፻፳፯፡፪-፫። ፍረ ፃማከ ተሴሰይ።ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ። ብእሲትከ ከም ወይን ሥሙር ውስተ ጽርሐ ቤትከ። መዝ 128፡2-3: ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ’ሞ፡ ብጹእ ኢኻ። ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ’ዮም። |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ