“ንስኻ በጽሒ ኸለኻ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ፡ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል’ሞ፡ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደለኻዮ’ውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ”፡ በሎ።” ዮሃ 21፡18።
እዚ ኽፍሊ ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ዚ፡ ብዛዕባ ጐይታና ኸመይ ገይሩ ንሃዋርያ ጴጥሮስን ንብጾቱን ካብ ምግፋፍ ዓሳ ናብቲ ሃዋርያዊ ተልእኾኦም ከም ዝመለሶምን፡ መጓስኡ ብሕድሪ ኸም ዝሃቦምን ዚገለጸልና’ዩ። ሕያዋይ ጓሳ ዀይኑ ነባጊዑ ባዕሉ ኺጓስይ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ኣቦኡ ዚዓርገሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ሕድሪ ናይቲ ጒስነት ነቶም ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዚኣክል ብሃዋርያነት ኬስልጥኖም ዝጸንሓ እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም ኪኸይድ መደበ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተመሃርናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዜደንቕ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ተኣምር ብምግባር ንሱ ምዃኑ፡ ህልዊን ሕያውን ምዃኑ፡ ገና’ውን ምስ ኣምላኽነቱን ጐይትነቱን ከም ዘሎ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ብውክልና ሃዋርያ ጴጥሮስ ንዅላቶም ኣዝዩ በዳሂ ሕቶ ኣቕረበሎም። ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብስሙ ጽዊዑ፦
“ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ’ዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት፡ ጐይታና ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቱ ኣወዳዲሩ ናይ ንጽጽር መልእኽቲ ሂቡ ኣይፈልጥን’ዩ። ንሳቶም’ዮም ብኣንጻሩ “መንና ይዓብይ፧ መንና ይበልጽ እናበሉ ዚወዳደሩ ዝነበሩ1። ጐይታ ድማ ብዛዕባኡ ብመሃሪ ኣገባብ ይገንሖምን ይእርሞምን ነበረ። ሕጂ ግና እቲ ንሓድሕዶም ዚበላለጹሉ፡ ንጐይታኦም ዘለዎም ፍቕሪ ኻብቲ ናይ ብጾቶም ብመጠኑ ዝበዝሓ ብዓይነቱ’ውን ዝበለጸ ምዃኑ ዜረጋግጹሉ ምዱብ ጊዜ ስለ ዝበጽሐ ጐይታና፡ በዛ ኣገዳሲት ሕቶ ገይሩ ኣመልከቶም። እቲ ዋናን ጓሳን ናይተን ኣባጊዕ ኣብ ዘየህልወሉ እዋን፡ ንእኡ ተኪእካ ንዕዮኡ ምምላእ ነተን ኣባጊዑ ምሕላይ፡ መርኣያ ናይቲ ንመጓስኡን ንእኡን ዘሎካ ብሉጽ ፍቕርን ክብርን እትገልጸሉ ኽቡር እዋን’ዩ። እዚ ወርቃዊ ዕድል’ዚ፡ “ኣነዶ እበልጽ ንስኻ፧” እናበልና ንሓድሕድና እንማጐተሉ ጊዜ ኣይኰነን። ብልጫና (ምብላጽና) ብግብሪ እነመስክረሉ ጊዜ ጥራሕ’ዩ። እቲ ምብላጽና ድማ ነቲ ብሕቡእ ርእዩስ ብግህዶ ዚኽሕስ ጐይታ’ምበር፡ ንዘይምልከቶ ሰብ እነርእዮ ኣይኰነን። ምብላጽና ንሓድሕድና ኸነርእይ እንተ ጀሚርና’ሞ፡ ኣብ መንጎና ዘይጠፍእ ውግእ ወሊዕና እናተጣፋእና ኸለና፡ ነተን መጓሰ ኣባጊዕ ጥምየትን ተዃሉን ተበራርዮም ኬህልቕወን’ዮም። ኣቦታትና “ሰብ ዝገበሮ ምድሪ ነገሮ” ኸም ዚብሉ፡ ጐይታና’ውን፡ “ዘይቅላዕ ክዱን፡ ዘይገሃድ ድማ ስዉር የልቦን” ከም ዝበለ፡ እቲ ንጐይታ ጥራሕ ኢልና ዝገበርናዮ ብሰብ ከይተራእየ ኣይኪተርፍን’ዩ2። እቲ ንጐይታ ኢልና ዝገበርናዮ ብሰባት ኪረኣይን ኪፍለጥን ከሎ፡ ክርስቶሳዊ “ኣርኣያ”’ዩ ዚኸውን። እቲ ንሰብ፡ ከነርእይ ኢልና እንገብሮ መንፈሳዊ ተግባር ግን፡ ሰይጣናዊ ናይ ግብዝነት ኣርኣያ’ዩ ዚኸውን። ብዛዕባ’ዚ ብሉጽ ፍቕርኻን ዕዮኻን ንኣምላኽ ከተርእዮ ኢልካ ናይ ምግባር ቅዱስ ሃቐና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ወርቃዊ ቓል ሂቡና ኣሎ።
“ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዘይብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።” 2ጢሞ 2፡15። ኣምላኽዶ ናይ ምርኣይ ጸገም ኣለዎ’ዩ፡ “ከተርእዮ ጽዓር” ዚበሃለልና፧ እምበኣር፡ እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ “ንኣምላኽ ከም ዜሓጒሶ ኸም ዜዕግቦ ጌርካ ግበሮ” ማለት ምዃኑ ኺርድኣና ይግባእ።
ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ኸነልዕሎ ዚግብኣና ኣገዳሲ ሕቶ ግን ኣሎ፧ “ሓደ ተግባር፡ መርኣያ ናይ ብሉጽ ፍቕሪ ዚኸውን መዓስን ብኸመይን’ዩ፧” ዚብል ሕቶ’ዩ። ኣቦታት ኪምስሉ፡ “ዘይክኢላ ሰዓማይሲ ንፋጥ ይጽይቕ” ከም ዚብሉ፡ “እቲ ዝጸበቐ” ኢልካ ዝገበርካዮ፡ “እቲ ዝኸፍአ” ዀይኑ ተረኺቡ ኼዋርደካን ጒድ ኪገብረካን ይኽእል’ዩ። እዚ ተኽእሎ’ዚ ምበኣር’ዩ፡ ነዚ ተመዲቡልና ዘሎ ኣርእስቲ ናይ’ዚ ዕለት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚገብሮ። እቲ እትገብሮ ናይ ፍቕሪ ተግባር ንጐይታኻ ኸተሓጒሶን ንእኡ ዘለካ ኻብ ናይ ካልኦት ብጾትካ ፍቕሪ ዝበለጸ ምዃኑ ኸተርእይ ኢልካ ጌርካዮ ኸተብቅዕ፡ ከም’ቲ ንስኻ እትደልዮ ጌርካ ትገብሮ እንተ ዄንካ፡ እቲ ነገር ፋሕ ኢሉ ማለት’ዩ። እቲ ተግባርን ኣተገባብራኡን ንሓድሕዱ ይጋጨው ኣሎ። እቲ ተግባር፡ ናይቲ ጐይታን ነቲ ጐይታን እንተ ዀይኑ፡ በቲ ድልየት ናይቲ ጐይታ ኺግበር’ዩ ዚግባእ። እቲ ተግባር ነቲ ጐይታ፡ እቲ ድልየት ኣተገባብራ ግን ናይቲ ባርያ እንተ ዀይኑ ግን እቲ ነገር ግርምቢጥ ስለ ዚኸውን ንሓድሕዶም ክተሓጓጐሱ ኣይክእሉን’ዮም። ነታ እንገብራ፡ እንኸዳ፡ እንዛረባ ከምታ ጐይታ ዚደልያ ጌርና እንተ ገበርናያ ብልጫ ፍቕርና ሽዑ’ዩ ዚገሃድ።
ጐይታና ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ብልጫ ፍቕሩ ሰለስተ ጊዜ ደጋጊሙ ምስ ሓተቶ፡ ፍቕሩ ኻብቲ ናይቶም ካልኦት ዝበለጸ ኸይከውን ዝዓንቀፎ እንታይ ምዃኑ ንኺገልጸሉ’ዩ ነዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ቓል ዝተዛረቦ። ጐይታና ብዅሉ ፈላጥነቱ ዀነ በቲ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ትዕዝብቱ፡ ብዛዕባ’ዚ ሃዋርያኡ ብዙሕ ዚፈልጦ ነገር ኣለዎ። ነዚ ጐይታ ዝበሎ ቓል ዜረጋግጽ ብዛዕባ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብሰፊሕ ዝተገልጸ ሓበሬታ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ሰፊሩ ኣይንረክብን ኢና። ምኽንያቱ ኵሉ’ቲ ሽዑ ዝተኸስተን ዝተገብረን ዝተዘርበን ኣይተጻሕፈን። ኵሉ እንተ ዚጸሓፍ፡ ኵሉ መጻሕፍቲ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኸም ዘይኣኽሎ፡ ባዕሉ’ዚ ናይ ምጽሓፍ ፈተነ ዝገበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ገሊጹልና’ዩ 3። ኣብተን ዝርካበን ተጻሒፈን ዘለዋ ግን፡ ናይ’ዚ ጐይታ ዝተዛረቦ ኣሰር ንረክብ ኢና። ጐይታና ብዛዕባ ስቕለቱን ሞቱን ምስ ተዛረበ፡ ኪገንሖ ምህቃኑ ሓደ መርኣያ ናይዚ ጐይታ ዝገለጾ ምስጢር’ዩ። ብቚጡዕ መግናሕቲ ኸኣ ኣረሞ4። “ክትክሕደኒ ኢኻ” ተባሂሉ በቲ ፈላጥ-ኵሉ እናተነግሮ፡ “ትጋገይ ኣለኻ” ብዜስምዕ ኣገባብ “ክሳዕ ሞት’ኳ ኣይክሕድን’የ” ኢሉ ምክርኻሩ ናይቲ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ዝመሰለካ ናይ ምኻድ ባህርዩ ነጸብራቕ’ዩ ዝነበረ5። እቶም ንጐይታ ዝሕዙ ጭፍራ ምስ መጹ ሰይፊ መዚዙ ኽወቕዕ ምጅማሩ ናይ ባዕላዊ ዕጥቒ መርትዖ’ዩ6። ንርእሱ’ዚ፡ “ኣነስ ናብ ምግፋፍ ዓሳይ ክኸይድ’የ” ኢሉ ነቶም ካልኦት ለኪሙ በተግ ኢሉ ምኻዱ’ውን፡ ናይቲ ጐይታ ዝበሎ ቓል መርትዖ’ዩ። ናብ ዝደለኻዮ ምኻድ ስለ ዚቐንዖ ኸኣ። “ጐይታና’ምበር’ዩ” ምስ ሰምዐ፡ ቅድሚ ዅላቶም ናብ ጐይታ ንምኻድ ምስናይ ክዳውንቱ ናብቲ ባሕሪ ዘለለ። ከምዚ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ምስቲ ሉኣላዊ ኣካይዳ ፈጺሙ ኣየሳንየካን፡ ኣየጓዕዘካን ከኣ’ዩ። እዚ ነገር’ዚ ኻብ ህይወቱ ተቐሪፉ እንተ ዘይከይዱ፡ በቲ ጽቡቕ ኣገልግሎቱ ንጐይታ እናኣጒሃዮ ኺነብር’ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ዘይተጸበዮ ዜሕዘን ዓስቢ ኪቕበል’ዩ። እቲ ኣብ መንጎ’ቲ ጽቡቕ ኣገልግሎቱን ኣብ መንጎ ጐይታኡን ኰይኑ ዕንቅፋት ዚኸውን ዘሎ ኸኣ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ፡ ጐይታኻ ዚደልዮ ዘይኰነስ፡ ንስኻ ዝደለኻዮ ምግባርን ናብ ዝደለኻዮ ምኻድን’ዩ። ጐይታ፡ ሉኣላዊ ኣምላኽ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ድማ ኣይግባእን’ዩ ንሉኣላውነቱ ግሂስካ እትገብሮ ዝዀነ ጽቡቕ ተግባርን ኣገልግሎትን፡ ኪጒህየሉን ኪፍደዮን’ምበር፡ ኪሕጐሰሉን ኪጻምወሉን ከም ዘይኰነሉ ብዘየዳግም መገዲ ኸነስተውዕሎ ይግባእ።
ናብ ዘዳለኻዮ ገዲፍካ ናብ ዘይደለኻዮ ምዃድ እንታይ ማለት’ዩ፧ ቅድሚ ዅሉ ልዕሊ ዅሉ፡ ወዲ ሰብ ንኣምላኽ ኪስውኣሉ ዚግባእ መስዋእቲ፡ ገዛእ ፍቓዱን ድልየታቱን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ንገዛእ ፍቓዱ መስዋእቲ ኺገብር ዘይፈተወ ሰብ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ’ዩ መስዋእቲ ዚገብሮ። ካብዚ ዚኸፍእ መንፈሳዊ ገበን ኪህሉ ከኣ ኣይክእልን’ዩ። ፍቓድ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ፍቓድና መስዋእቲ ኽንገብረሉ ምዃኑ፡ ጐይታና ብቓላት ገሊጹልና፡ ብግብሪ’ውን ኣርኣዩና’ዩ። ከመይ ጌርካ ፍቓድ ርእስኻ ንኣምላኽ መስዋእቲ ኸም እትገብር፡ ካብ ጐይታና ዚበልጽ ካልእ ኣርኣያ ኺህልወና ዚከኣል ኣይኰነን። ንሱ ኻብ ናይ ኣቦኡ ዚንእስን ዚኸፍእን ፍቓድ ሃልይዎ ኣይፈልጥን’ዩ። ነቲ ጽቡቕን ክቡርን ፍቓድ መስዋእቲ ንምግባር ግን ዓይኑ ከቶ ኣይሓሰየን። ነዚ ንኣርኣያና ኢሉ ብቓል ዝገለጾን ብግብሪ ዝፈጸሞ ዅሉን ከኣ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“. . . ብልዐይሲ ፍቓድ’ቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡ’ውን ክፍጽም’ዩ።” ዮሃ 4፡34
“ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን’የ፡ ፍቓድ’ቲ ዝለኣኸኒ’ምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን’የ’ሞ፡ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕክዎ’የ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቕኑዕ’ዩ።” ዮሃ 5፡30
“ኣነ ፍቓድ ናይቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ)’ምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ።” ዮሃ 6፡38
እምበኣር፡ ከምዚ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ ርትዕን መርገጽን ከይወነንካ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ዓይነት ጐይታ ርእስኻ ኸተግዝእ ፈጺምካ ዘይከኣል ጥራሕ ዘይኰነስ ዘይሕሰብውን’ዩ። መልክዕ ባርያ ኸይለበስካ፡ ስራሕ ባርያ ኽትሰርሕ ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ኸም ፍቓድ ርእሱ ገይሩ ንጐይታኡ ኼገልግል ዚደልይ ሰብ፡ ልክዕ ከምቲ መልክዕ ጐይታ ለቢሱ ስራሕ ባርያ ኺሰርሕ ዚደልይ ዝተደናገረa ኣገልጋሊ’ዩ። ጐይታና ንእግዚኣብሔር ኣቦኡ ኣብ ምድሪ ኼገልግል ምስ ፈተወ፡ መልክዕ ኣምላኽ ዝለበሰ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ክነሱ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ሰብ ኰነ። ናይ ዝተረግሙ ሰባት ኣማውታ ኽሳዕ ሙማት ከኣ ፍቓዱን ርእሱን መስዋእቲ ገበረ7። ነታ ናይ ሞት ጽዋእ ዚሰትየላ ምድብቲ ጊዜ ምስ ኣኸለት ከኣ፦
“ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ’ዚኣ ኻባይ ትሕለፍ፡ ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ’ምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን።” ብምባል ንፍቓዱ ኽሳዕ ኣበይ መስዋእቲ ኺገብራ ድሉው ከም ዘነበረ ኣመስኪሩ’ዩ8። ንሱ ዚደልዮ ኺገብር ዘይደልይ ስለ ዝዀነ ኸኣ ንቓሉን ንግብሩን ዘይኰነስ፡ ንናይ ኣቦኡ ግብሪ ኺገብር፡ ንዘረባ ኣቦኡ ድማ ኪዛረብ ይመርጽ ነበረ። ንእኡ ድማ ብኸምዚ ዚስዕብ ተኣሚንዎ ኣሎ።
“ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ’ምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር’ኳ ኺገብር ኣይከኣሎን’ዩ። ነቲ (ኣቦ) ዚገብሮ ግብሪ፡ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር’ዩ።” ዮሃ 5፡19።
“ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ’ዩ’ምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ (ፍቓድ ኣቦ) ኺገብር ዚደልይ እንተ’ሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይነ ዝዛረቦ ዘለኹ ኪፈልጥ’ዩ። እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ፡ ክብረት ርእሱ’ዩ ዚደልይ፡ እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደልይ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ’ዩ’ሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።”
“ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን’የ፡ እቲ ዚደልይን ዚፈርድን ግና ኣሎ። . . . ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ፡ ክብረተይ ፍረ የብሉን፡ ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም “ኣምላኽና” እትብልዎ ኣቦይ’ዩ።” ዮሃ 7፡16-18፣ 8፡50,54።
“ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ፡ (ግብሪ ኣቦይ) እንተ ገበርክዎ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ’ኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ (ግብሪ ኣቦ ዝዀነ) ግብረይ እመንዎ።” ዮሃ 10፡37,38 (14፡10,11)።
“. . . እዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ቃል ከኣ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ’ዩ’ምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።” ዮሃ 14፡24።
ነዚ ኽቡር ቃል ናይ ጐይታና፡ ነቢብናዮ ኽንሓልፍ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ደምናን ባህሪናን ክሳዕ ዚሰርጽ ኽንሽምድዶን ኣብ ማሕበራዊ ናብራና ኽንለማመዶን’ዩ ዚግብኣና። እቲ ወዱ ንመስዋእቲ ዝኸፍለ ኣቦን፡ እቲ ህይወቱ በጃና ዘሕለፈ ጐይታ፡ እዚ ቓል’ዚ ኣብ ገዛእ ሕይወትና ምእንቲ ኸነተግብሮ’ዮም ክሳዕ ክንድ’ዚ ኸቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉ። እምነትና ናብዚ ደረጃ’ዚ እንተ ዘይኣዕብዩናን እንተ ዘይኣብጺሑናን፡ “ኣብ እምነት የለኹን” ምባል’ዩ ዚቐልል። ገበርቲ ፍቓዱ እናመሰልና፡ ንሕና ናብ ዝደለናዮ ንኸይድ፡ ዝደለናዮ ንዛረብ፡ ዝደለናዮ ንገብር እንተ ዄንና፡ ዕጥቅና ብርግጽ ዕጥቂ ዓመጻ’ዩ። ባዕላትና ዝዓጠቕናዮ ድማ’ምበር ጐይታ ዘዕጠቐና ኣይኰነን። ነስተውዕል! ብዛዕባ ኽፉእን ግሁድ ሓጢኣት ዝዀነ ዘረባን ግብርን ኣይኰንናን ንዛረብ ዘለና። ኣብ ሓጥእ ዘረባን ኣብ ሓጥእ ግብርን እንተ ተበጺሑ’ሞ፡ ዓይነቱን ክብደቱን ብዘየገድስ ኵሉ ንጹግ ስለ ዝዀነ፡ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ኣርእስቲ ዚሕቈፍ ኣይኰነን። ጐይታና ንሃዋርያ ጴጥሮስ ዚዛረቦ ዘሎ፡ ዕጥቂ ሓጢኣት ተዓጢቑ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪዋግኦ ስለ ዝረኣዮ ኣይኰነን። ካብ ሃዋርያት ዕጥቂ ዓመጻ ዝተዓጥቀ’ሞ፡ ይሁዳ ጥራይ’ዩ። እቲ ኻብ ርእስኻ ተበጊስካ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ፡ ንኣፍ እግዚኣብሔር ከይሓተትካ ዚግበር “ጽቡቕ ተግባር”’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ዓመጻ’ዩ። ልዕል ኢልና ኸም ዘንበብናዮ፡ ካብ ርእስኻ ምዝራብ፡ ክብረት ርእስኻ እትደልይ ሰብ ናይ ምዃንካ ንጹር ምልክት’ዩ። ደቂ ኻህን ኣሮን፡ ንእግዚኣብሔር ኬገልግሉ’ምበር፡ ካልእ ዕላማ ዘይነበሮም ክነሶም፡ ናይ እግዚኣብሔር ዘይኰነ ጋሻ ሓዊ ናብ መቕደሱ ስለ ዘእተዉ፡ ብዘይ ምሕረት ብሓዊ ቚጥዓኡ ኣቃጺሉ ቐዘፎም። እግዚኣብሔር ብናቱ ሓዊ፡ ብናቱ ቓል፡ ብናቱ ግብሪ፡ ብናቱ ፍቓድ ጥራሕ’ዩ ዚግልገል ናቱ ኸም ዝሰኣነ፡ ብዘይ ናቱ፡ እሞ ኸኣ ብናይ ስጋ ኸነገልግሎ እንተ በልና፡ ርእስኻ ናይ ምኽባር እኩይ ሃቐና ስለ ዝዀነ፡ ኬስምሮ ዘይኰነስ ኬቚጥዖ ጥራይ’ዩ ዚኽእል። እዚ ብድርኺት ናይ ውዱቕ ስጋና እንገብሮን እንብሎን ኵሉ፡ ይትረፍ ነቲ ቕዱስ ኣምላኽ፡ ንኣና ነዞም ብመልክዑ ዝተፈጠርና ሰባት’ኳ ኣይምጥነናን’ዩ። ስለዚዶ ኣይኰነን ዜቕጽዓናን ናብ ገሃነም ዜደርብየናን።
ስለዚ ድማ ኢና፡ ፍቓድናን ቃላትናን ግብርናን ክንፍንፍንን ክንድርብይን ዚግብኣና። ናብዚ ብሱል ናይ ብጽሕና ርድኢት’ዚ እንተ በጺሕና፡ መንፈሳዊ ሕይወትና ናብ ፍጹምነት ገጹ’ዩ ዚዓብይን ዚዓርግን። ፍጹምነት ዝመልኣካን ዝደለኻዮን እናሓሰብካን እናተዛረብካን እናገበርካን ኣይትብጻሕን’ያ። ናይቲ ፍጹም ኣምላኽ ሓሳባትን ቃላትን ግብርን ጥራሕ ብምዝውታር ኢና ንፍጹምነት እንበጽሓ። እግዚኣብሔር ነቲ ናቱ ግብርን ቃላትን ሓሳባትን ጥራሕ ከነዘውትር ዚደልየና፡ ነቲ ባዕሉ ፈትዩ ዝሃበና ናይ ነጻ ምርጫን ፍቓድን ስልጣን ተጣዒሱ ኺገፍፈናን ኪዝርፈናን ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። እቲ ናትና ፍቓድ ጽቡቕ ከም ዘይፈድየናን፡ ናብ ዓዲ (ናብ መንግስቱ) ኸም ዘየእትወናን ስለ ዝፈለጠ’ዩ። ብሕያውነቱ ነዚ ጽቡቕ ምኽሪ’ዚ መኺሩልናን ገሊጹልናን እናሃለወ፡ ዕጥቅና ኣበላሺና ምዕራፍና ኸነጸልምት እንተ መሪጽና፡ ንዘመን ምሕረትና ንኸስሮ ምህላውና ኣይንዘንግዕ።
ካብዚ ናብ ዝደለኻዮ ናይ ምኻድ ሓደጋን ሳዕቤናቱን ደኣ ብኸመይ ኢና ኸነምልጥ፧ እቲ ዝዓበየን ቀዳማይን መምለጢና ንስሓ’ዩ። ብፍቓዱ ንኣምላኽ ከተኽብር ተፈጢርካን ተጸዊዕካን ከተብቅዕ፡ ነቲ ተልእኾ ገልቢጥካ ብፍቓድካ ንርእስኻ ኸተኽብር እንተ ተዓጢቕካ ግን ቀሊል ኣበሳ ኣይኰነን። ጻማ ናይቶም ርእሶም ዜኽብሩ፡ ዘለኣለማዊ ውርደት’ዩ። ስለዚ ካብዚ ዘይጽወር ሳዕቤኑ ምእንቲ ኽንድሕን፡ እግዚኣብሔር ምስጢረ-ንስሓ ሰሪዑልና ኣሎ። ንስሓ ማለት ሓጢኣትካ ተኣሚንካ ብደም ክርስቶስ ተሓጺብካ ሕድገት ሓጢኣት ምርካብን ምንጻህን ማለት’ዩ። ነቲ እንነጽሃሉ ደም ክርስቶስ ድማ ብምስጢረ ቊርባን ስጋኡን ደሙን ብምውሳድ ኢና እንረኽቦ። ብዘይ ስጋኡን ደሙን ዚፍጸም ንስሓ፡ ንዘይለቅቕ ርስሓት ብዘይ ሳምና ብማይ ጥራሕ ከተጽርይ ከም ምፍታን ዚቊጸር ከንቱ ፈተነ’ዩ።
እቲ ኻልኣይ ኣገዳሲ መምለጢና ኸኣ ጸሎት’ዩ። እቲ ዝኸፍአ ጸላኢና፡ ገዛእ ፍቓድና’ዩ። ካልእ ኵሉ ዜስሕት ፈተናታት፡ ብደገ’ዩ ዚመጽእ። ፍቓድና ግን ኣብ ውሽጢ ልብና ዝዓረደ ፈታዊ ዚመስል ሕሱም ጸላኢ’ዩ። ሓደ ስጳኛዊ ጀነራል ንሓንቲ ዝኸበባ ኸተማ ብኸመይ ኪሕዛ ኸም ዝሓሰበ ኺገልጽ ከሎ፡ “በርባዕተ መሳርዕ (Columns) ብደገ ኸቢበያ ኣለኹ። ሓምሻይ መስርዕ ከኣ ናብ ውሽጣ ኣስሊዀ ኣእትየ ኣለኹ። ቀንዲ ተስፋይ ከኣ በቲ ሓምሻይ መስርዕ’ዩ” ኢሉ ይበሃል። ፍቓድና’ውን ንኣና፡ ናብ ልብና ሰሊኹ ዝኣተወ ሓምሻይ መስርዕና’ዩ። ሰይጣን ከኣ ነዚ መስርዕ’ዚ ተጠቒሙ’ዩ ዜበላሽወና ዘሎ። ካብዚ ሕሱም ጸላኢ’ዚ ዜናግፈና ኸኣ እግዚኣብሔር’ዩ። ምኽንያቱ ምንጋፍ ናይ እግዚኣብሔር ሉኣላዊ ስልጣን’ዩ9። ስለዚ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ጸጋኡ ብገጽና ተደፊእና፡ “ካብ ፍቓደይ ኣድሕነኒ፡ ባርያ ፍቓደይ ካብ ምዃን ኣናግፈኒ፡ ኣብ ልዕሊ ፍቓደይ ምልኪ ኣጐናጽፈኒ፡ ፍቓደይ ንፍቓድካ ዘግዝኣሉ ዓቕሚ ጸጋ ሃበኒ” ኢልና ኣምሪርና ኽንጽልይ ይግብኣና’ዩ። ብፍቓዱ ዝተታሕዘን ዝተመልከን ሰብ፡ ናይ ነፍሲ መንሽሮ (ካንሰር) ከም ዝሓዞ ሰብ’ዩ። ስለዚ ብዘየባትኽ ጸሎት ንሕይወትና ንበጀዋ። እግዚኣብሔር ከኣ ንኸምዚ ዝበለ ካብ ከንፈር ጥበራ ንዘይወጸ ቕቡል ጸሎት፡ ብህጹጽ ይምልሶ’ምበር፡ ኪዕገሶን ኬደንጒዮን ኣይመርጽን’ዩ።
እቲ ሳልሳይ መምለጢ ኸኣ፡ ጽቡቕ ገድሊ እምነት ዚጋደል ብቑዕ ናይ ክርስቶስ ዓቀይታይ ምዃን’ዩ። ጸላኢ ኣብ ልብኻ ዓሪዱ ኼበላሽወካ ተዓጢቑ ኸም ዘሎ እናፈለጥካ፡ ቀሲንካ ኺንበር ኣይግባእን’ዩ። ነቲ ጸላኢኻ ተጋዲልካ ኽትስዕሮን ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኸተግዝኦን ናይ ግድን’ዩ። ብረድኤት ኣምላኽን ብጸጋኡን ተደጊፍና ኽንጋደል’ምበር፡ ዝዀነ ጻዕሪ ዘይገብሩ ልኡማት (passive) ክንከውን ኣይተጸዋዕናን። ስለዚ ኸኣ፡ “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር’ውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካ ሕይወት ዘለኣለም ሓዛ።” ተባህለልና10። ኣብ ብዘሎ ሓድሽ ኪዳን ከኣ፡ “ተጋደሉ” ዚብል ተደጋጋሚ ትእዛዛት ተዋሂቡና’ዩ11። ስለዚ ኣብ መወዳእታ ናይ ሕይወትና፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጉያ ወዲአ፡ ነታ እምነት ሓልየ” ምባልና ኸነረጋግጽ እንተ ኽኢልና፡ ኣኽሊል ጽድቂ ኺጽበየና’ዩ12።
ነዚ ኽቡር ትምህርቲ’ዚ ኣብ ሓጺር ጊዜን ኣብ ሓጺር ጽሑፍን ብምልኣት ክትገልጾ ዚከኣል ኣይኰነን። በቲ ተገሊጹልና ዘሎ መጠን ግና ንሕይወትና ነተኻኽል። ድሕሪ ሞትና፡ ከምቲ ንቕዱስ ዳዊት “ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣገልጊሉ ዓረፈ” ዝተባህለ፡ ብዛዕባና’ውን ከምኡ ኸም ዚበሃል ጌርና ንመላለስ 13። ከምቲ ብዘመነ-መሳፍንቲ “ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኰይኑ ዝተራእዮ ይገብር ነበረ” ዝተባህለ፡ ብዛዕባና ኸምኡ ኸይበሃል ደኣ ርእስና ንባልህ14። ፍቓድና ኣዝዩ ሓያል ጠባሪ’ዩ። ንእኡ ብዝፈጸምና መጠን፡ ከም ዝጀገንና (ጀጋኑ ኸም ዝዀንና) ገይሩ ብዝተጋነነ ስምዒት እናጠበረ፡ ከየበላሸወና ንጠንቀቕ። ፍቓድ ርእሱ ዚገብር ኪጠፍእ፡ ፍቓድ ጐይታኡ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ኪነብር’ዩ’ሞ፡ ብዝተጠበረ ልቢ ተጋጊና፡ ዘይምረጽን ዜጥፍእን ምርጫ ኸይንመርጽ፡ ብፍርሃት እግዚኣብሔር፡ በታ መጀመርታ ጥበብ ርእስና ንምራሕ!!
ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣላቶ
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ግንቦት 28, 2013 ግዕዝ (6 ሰነ 2021) - መበል 39 ሰንበት: ቊ.57/፶፯) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
2ቈረ 5፡1-10 |
1ጴጥ 4፡4-11 |
ግብ10፡39-43 |
ዮሓ 21፡1-14 |
ዘዲዮስቆሮስ |
መዝ 118:24-25 ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ፤ ንትፈሣሕ ወንትሐሠይ ባቲ ፤ ኦ እግዚኦ አድኅንሶ ።
እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣድሕን ኰታ፣ ኣታ እግዚኣብሄር፣ ኣሰልጥን ኰታ። |
1ሉቃ 9፡46,47፣ 22፡24-27 ፥ 2ማቴ 10፡26:3ዮሃ 21፡25 4ማቴ 16፡23 5ማቴ 26፡31-35 6ማቴ 26፡51:aConfused 7ፊሊ 2፡6-8 8ማቴ 26፡39:9መዝ 68፡20 ፥101ጢሞ 6፡12 ፥ 11ሉቃ 13፡24 ፣ ኤፌ 4፡3 ፣1ተሰ 5፡15 ፣ 2ጴጥ 1፡5፥ 122ጢሞ 4፡7,8 ፥ 13ግብ 13፡36 ፥ 14መሳ 21፡25
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ