“ኢየሱስ ከኣ፡ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ’ሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ ደርበይዎ’ሞ ካብ ብዝሒ’ቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ። እቲ ኢየሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ፡ ንጴጥሮስ፡ ‘ጐይታና’ምበር’ዩ’ በሎ።” ዮሃ 21፡6,7።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ጐይታና ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ርክብ ዚትርኽ’ዩ። ድሕር’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ገሊላ ደጊሞም ኣይተራኸቡን። ካብ ሞት ድሕሪ ምትንሳኡ እቶም ኣብ መቓብር ዝጸንሑ መላእኽቲ፡ ናብ ገሊላ ቐዲምዎም ከም ዝሓለፈ’ሞ ናብኡ ኸይዶም ከም ዚረኽብዎ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ልኢኾምወን ነበሩ1። በቲ ዝበሎም መሰረት ናብ ገሊላ ወረዱ’ሞ፡ ኣብኡ ደጋጊሙ ተራእዮም። ናይ ጐይታ ኻባታቶም ምፍላይ ኣዝዩ ኸቢድዎም ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ሓዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ’የ” በሎም። ከምኡ ኺብል ከሎ ሽዱሽተ ኻልኦት ሓዋርያት ምስኡ ነበሩ። ዳርጋ ዅሎም ገፈፍቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩን፡ እቲ ምርኡይ ብጻዮም መገዲ ምስ ከፈተሎምን፡ “ንሕና’ውን ምሳኻ ንኸይድ” ኢሎም ሓቢሮም ከዱ። ጐይታ ኻብ ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ገፈፍቲ ሰብ ኣዕብይዎም ክነሱ፡ እቲ ኣብ ውሽጦም ዀይኑ ዚዋግኦም ዝነበረ ዘይምእማን፡ ቅብጸት ተስፋ፡ ፍርሃት፡ ርጉጽነት ዘይብሉ ሓዲግ መጻኢ ገና ስለ ዘይሃድአ፡ ምስ ጐይታ ብኣካል ድሕሪ ምርኻቦም’ኳ፡ ንድሕሪት ኪምለሱ ገና ይደናደኑ ነበሩ። ገፈፍቲ ዓሳ ዚበዝሕ ጊዜ ብለይቲ’ዮም ዚገፍፉ። ለይቲ ብምልእታ ኺጽዕሩ ሓዲሮም ክነሶም፡ ሾብዓተ ሰብኡት ሓደ ዓሳ’ኳ ኺሕዙ ኣይከኣሉን። ምኩራት ገፈፍቲ ዓሳ ለይቲ ምሉእ ተጋዲሎም ሓደ ዓሳ ኺስእኑ ቀሊል ጒድኣት ኣይኰነን። ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ገዲፎምዎ ዝጸንሑ ሞያኦም፡ ኣብ ቀዳማይ ፈተነኦም ጥራይ ኢዶም ኪመልሶም ከሎ፡ ንስማዒኡ’ኳ ኣይጥዑምን’ዩ። ኣብ ወጋሕታ ድማ ጐይታና ብኣካል መጺኡ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ደው በለ። ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሓደ’ኳ ኼለልዮ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ናይ ድሕረ-ትንሳኤ ትርኢቱ እንታይ ከም ዚመስልሲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ደጋጊሙ ተራእይዎም ነይሩ’ዩ። “ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣሎኩም፧” ኢሉ ኺሓትቶም ከሎ’ውን ብድምጹ ኼለልይዎ ትጽበዮ ኢኻ። ንሱ’ውን ኣይሰለጠን። ናይ ትርኢትን ናይ ድምጽን ፈተነ ኻብ ዘይሰለጠ፡ ተሪፋ ዝነበረት ናይ ግብሪ ፈተነ ዀነት። እቲ ዘይተፈልጠን ዘይተለለየን ጋሻ፡ ጸሓይ በሪቓ እናረኣየ፡ ነዞም ሾብዓተ ምኩራት ገፈፍቲ ዓሳ፡ ርእይቶ-መሰል ትእዛዝን ርጉጽ ውጽኢቱን ሃቦም። ኪገፍፉ ኸለው መሸም፡ ናብ የማንን ጸጋምን ናብ ቅድሚትን ድሕሪትን ናብ ኵሉ ወገን ክሳዕ ዚደኽሙን ዚቐብጹን ከም ዝፈተኑ ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። እዚ ዘይተፈልጠ ጋሻ፡ ከምዛ ምሉእ ለይቲ መርበቦም ናብ ጸጋም ሸነኽ ጥራሕ ኪድርብዩ ዝሓደሩ ቘጺሩ፡ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ” ምስ በሎም፡ ንምንታይ ብዘይ ዝዀነ ሕቶን ካልእ ዘረባን ከም ዝደርበዩ ኣይርድኣካን’ዩ። እቲ ዜገርም ከኣ ርግጸኛ ኰይኑ “ክትረኽቡ ኢኹም” ምባሉ’ዩ። ከምዛ ንዅሎም ዓሳታት ባሕሪ ገሊላ ኣኪቡ ኣብ ሸነኽ የማኖም ዘቐመጠሎም’ዩ ዚመስል። ጐይታ ምዃኑ ፈሊጦም እንተ ዚእዘዝዎ ኣይመገረመናን ነይሩ።
እቲ ምእዛዞም ግን ንሰናይ ኰነሎም። መርበቦም ብዓሳ ኻብ ምምላኡ ዝተላዕለ ምስሓቡ ኽሳዕ ዚስእኑ ዀኑ። ኣብዛ እዋን’ዚኣ ናይ ሓዲኦም ምስትውዓል ተኸፍተ። ነቲ ብትርኢቱን ብድምጹን ዘየለለዮ ጐይታ፡ ብግብሩ ግን ከቶ ኣይስሓቶን። ንሱ ኸኣ እቲ ጐይታና ኣዝዩ ዜፍቅሮ ዝነበረ ወደ መዝሙር፡ ሓዋርያ ዮሃንስ፡ ባዕሉ’ዚ ተራኺ’ዩ። ንሓዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዀነ ኣብ ሓዋርያነት በዓል-ብርኩ’ዩ ዝነበረ። ካብቶም ሰለስተ ምርኡያት ሓዋርያት፡ እቶም ክልተ ሓዋርያ ጴጥሮስን ዮሃንስን ነበሩ። እቲ ሳልሳዮም ከኣ ሓዋርያ ያእቆብ፡ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ሓው ንሓዋርያ ዮሃንስ’ዩ። ጐይታ ንሰለስቲኦም ብፍሉይ ኣድህቦ ናብኡ የቕርቦም፡ ኵሉ ምስጢራት የርእዮም፡ ነታ ድሕሪ ትንሳኤኡን ዕርገቱን ዚሓድጋ ቤተ ክርስትያን መራሕቲ ኪዀኑ የሰልጥኖም ነበረ2። ሓዋርያ ጴጥሮስ ፈጺሙ ዘይቅደም መፍቀሪ ጐይታ ስለዝነበረ፡ ነታ “ጐይታ’ምበር’ዩ” እትብል ቃል ምስ ሰምዐ፡ ምስቲ ባሕሪ ኺቃለስ ብዘይ ክዳን ጥራዩ ስለ ዝነበረ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብቲ ባሕሪ ዘለለ። ኵላትና ኸም እንፈልጦ፡ ሰብሲ ናብ ማይ ኪኣትው ከሎ’ዩ ኽዳውንቲ ዜውጽእ። ንጐይታኡ ኻብ ዝነበሮ ኽብሪ ዝተላዕለ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ጥራይ ዝባኑ ኺረኣይ ስለ ዘይደለየ፡ ክዳኑ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ኣተወ። ቅድሚ ዅላቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ቘመ። ሓዋርያ ዮሃንስ በዛ ግብሩ’ዚኣ ቐልጢፉ ኼለልዮ ዝኸኣለ፡ ቅድሚ ሕጂ ኺጽውዖም ከሎ ተመሳሳሊ መስተንክር ግብሪ ብምርኣይ ስለ ዝጸውዖም’ዩ። ከምዛ ናይ ሕጂ ለይቲ፡ ግፍፍ ሓዲሮም መርበቦም ብሰበባ ባሕሪ ኣበላሸዮም ሓደ ዓሳ’ኳ ኸይሓዙ ምስ ወጹ፡ ንጃልባ ጴጥሮስ ንጊዜኡ ኸም መድረኽ ናይ ስብከት ገይሩ ተጠቕመላ’ሞ፡ ጻማ ኣገልግሎቶም፡ መርበቦም ብዚቐድድን ንኽልተ ጃለቡ ኼጥሕል ብዚኽእል መጠን ዓሳ ባሪኽዎም ነበረ። ከምዚ ዝበለ ግብሪ በቲ ኸኣል ኵሉ ጐይታኡ’ምበር፡ ብኻልእ ኪግበር ከም ዘይክእል ስለ ዚፈልጥ፡ እዛ ተኣምራት’ዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ምስ ተፈጸመት፡ ብኡንብኡ ብግብሩ ኣለልይዎ፡ “ጐይታና’ምበር’ዩ” በለ። ኣሽንኳይ ቅቡእ ሓዋርያ፡ ጠንቈልቲ ፈርኦን’ኳ ንሳቶም ኪገብርዎ ዘይክእሉ ግብሪ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ምስ ተገብረ፡ ነቲ ንሳቶም’ውን ኪደግምዎ ዚጽበዮም ዝነበረ ጐይታኦም ፈርኦን፡ “እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ’ያ” ኢሎም ኪቐብጽ ደገፍዎ3። ምናልባት ኣብ ናይ ምልላይ ፍጥነቶም ኪፈላለዩ ይኽእሉ ይዀኑ። ኣጻብዕ ጐይታኡ ኼለልይ ዘይክእል ሓዋርያ ኣሎ ኢልካ ምግማት ግን፡ ካብ ኣብቲ ሓዋርያ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንእኡ ዝሓረየ ጐይታ ምፍራድ’ዩ ዚኸውን።
ንኢድ ኣምላኽ ብኸመይ ኢና እነለልያ፧ ኢድ ኣምላኽ፡ ተለላዪት ኢድ’ያ። ክትወቅዕ ኰነ ኽትዝንን ከላ፡ ከተውድቕ ኰነ ኸተልዕል ከላ፡ ክትህብ ኰነ ኽትከልእ ከላ፡ ከተዕብይ ኰነ ኽትደቊስ ከላ ተለላዪት’ያ። ብጸላእታ ዀነ ብፈተውታ፡ ሽዑ እናገበረት ኰነ ብታሪኽ ክትዝከር ከላ’ውን ኣዝያ ተለላዪት’ያ። ፈርኦንን ሰራዊቱን’ኳ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ክትቅጥቅጦም ከላ ርእዮም ንባሮቶም ንእስራኤላውያን ደፊኦም ኣውጽእዎም። ትሪ ልቢ ደጊስዎም፡ ብዕሽነቶም ፈትዮም ዝሰደድዎም መሲልዎም፡ ንኢድ እግዚኣብሔር ፈትዮም ረስዕዋ’ሞ ደድሕሪ’ቲ ዘባረርዎ ህዝቢ ምስ ገስገሱ፡ ኢድ እግዚኣብሔር ንጥፍኣቶም ኣብ ቆር-ባሕሪ (seabed) ተጸበየቶም። ኣብኡ፡ ኣብ ውዱእ ሰዓት፡ ነታ ግርም ገይሮም ዝተዓምዋ ኢድ ብኸመይ ከም ዘለለይዋ፡ እቲ ጸሓፊ ብከምዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ይርከብ።
“ኰነ ኸኣ፡ (ወጋሕታ) ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሔር ካብቲ ዓንዲ ሓውን ካብ ደበናን ናብ ሰራዊት ግብጻውያን ጠመተ፡ ንሰራዊት ግብጻውያን ኣሸበሮም። ነቲ ሰረገላታቶም ከኣ መንኰራዅሩ ኣምለቘ፡ ብጭንቂ ተጓዕዙ። ግብጻውያን ከኣ፡ “እግዚኣብሔር ኣብ ክንዳኦም ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ ኣሎ’ሞ፡ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም፡” በሉ።” ዘጸ 14፡24,25።
እዞም ግብጻውያን፡ ንእግዚኣብሔር ፈጺሞም ዘይፈልጥዎ ኣምለኽቲ ጣኦት’ዮም። ነቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ ዅነታት ከም ዚግባእ ብምንባብ ግና፡ ንግብሪ እግዚኣብሔር ለልዮም ኪፈልጡ ኸኣሉ። ሓደ ብእግዚኣብሔር ዚኣምን ሰብ ግና፡ ንግብሪ እግዚኣብሔር ብቐሊሉን ቀልጢፉን ኬለልዮ’ዩ ዚግባእ። ንዝዀነ ይኹን ተግባር ንስለ ምግባር ኢልካ ጥራይ ኣይግበርን’ዩ። ይትረፍ እግዚኣብሔር ዚኣክል ኣምላኽ፡ ሰብ፡ እዚ ድኹም ፍጥረት’ኳ ንዝዀነ ተግባሩ ዚገብረሉ ምኽንያትን ዕላማን ኣለዎ። እግዚኣብሔር ከኣ፡ ንዅሉ ተግባሩ ንምንታይ ከም ዚገብሮ፦“. . . ኵሉ’ቲ ዝገበርክዎስ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም።” ብምባል ኣረጋጊጹልና’ዩ4። ንሓደ ተግባር “ፈሊጠዮን ተረዲአዮን ኣለኹ” ንኽንብል ከኣ፡ ነቲ ዝተገብረሉ ምኽንያትን ዕላማን ምስ እነስተውዕሎ እዩ። እዚ ኸኣ ንዅሉ’ቲ “ጽቡቕን ሕማቕን” ኢልና እንጽውዖ ዅነታትን ተግባራትን ናይ እግዚኣብሔር ዚምልከት’ዩ።
እዚ ንሓዋርያት ዝተገብረሎም ተኣምራት ናይ ምግፋፍ ዓሳ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ንጽውዓ ዝዓለመ ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ኻልኣይ ድማ፡ ካብቲ ሓዲጎምዎ ዝኸዱ ጽውዓኦምን ኣገልግሎቶምን ንምምላስ’ዩ። ከምኡ ምዃኑ ድማ፡ በቲ ጐይታና ድሕሪ’ዚ ተኣምራት’ዚ፡ ንሓዋርያ ጴጥሮስ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ፡ ዕያውተይ ሓሉ” ኢሉ ዝሃቦ ትእዛዝን ምሕጽንታን ኢና ንፈልጥ5።
ንሕና’ውን ብኢዱ ኸም ዝተፈጠርና ህዝቢ ኣምላኽ መጠን፡ ልክዕ ከም ሓዋርያት ኣዝዩ ብዙሕ ግብሪ ጐይታ ዝረኣና ሰባት ኢና። ንመብዛሕትኡ ኻብቲ ግብርታት ጐይታ ድማ፡ ኣብ ሕይወትናን ሕይወት ስድራናን ብጾትናን ቤተ ክርስትያንናን ህዝብናን ሃገርናን ኪደጋገም ርኢናዮ ኢና። እቲ ብእግዚኣብሔር ዚግበር ግብሪ ኸኣ፡ ዓይነቱ ብዘየገድስ ኵሉ ጽቡቕ’ዩ። ንሕና ግን ከም ሰብ መጠን ብኣረኣእያ ሰብ ተጠቒምና፡ ንገሊኡ ጽቡቕ ንገሊኡ’ውን ሕማቕ (ዘይጽቡቕ) ኢልና ንኸፋፍሎ። ንኣብነት ሕማም ስጋ ብዓይኒ ሰብ ዳርጋ ዅሉ ጊዜ ኸም ሕማቕ’ዩ ዚረኣይ። ሕማም ግና፡ እንተ ኸም መቕጻዕቲ፡ እንተ ኸም ጒስነታዊ ሓለዋ፡ ወዘተ፡ ኵሉ ጊዜ ብዓይኒ ኣምላኽ ጽቡቕ’ዩ። ንሓደ ረሲእ ዋላ ብሕማም እንተ ቐዘፎ፡ መግለጺ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ጽቡቕ’ዩ። ንጻድቕ ሰብ ኪሓምም ኰነ ብሕማሙ ኺመውት እንተ ፈቐደ’ውን ጽቡቕ’ዩ ዝገበረ።
ንቕዱስ ጳውሎስ ባርያኡ፡ ካብቲ ዝኸፍአን ብዘለኣለማዊ ሞት ዚቐትልን መንፈሳዊ ሕማም፡ ማለት ካብ ትዕቢት ምእንቲ ኺስውሮ፡ ሰባት ብዚፍንፍንዎ ሕማም ወቕዖ6። ናይ ኣቦና እዮብ ፍጹምነት ምእንቲ ኺገሃድ ድማ ብኢድ ሰይጣን ብኸቢድ ሕማምን ሓዘንን ውርደትን ኣሕለፎ። እዞም ቅዱሳን’ዚኣቶም ዝሓለፍዎ ዅነታት ብዓይኒ ስጋ እንተ ተራእዮ፡ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ኣዝዩ ሕማቕ’ዩ። ብዓይኒ መንፈስ እንተ ተራእዮ ግና ጸጋን በረከትን’ዩ።
ኢድ ኣምላኽ (ግብሪ ኣምላኽ) ናይ ዘይምልላይ ሳዕቤን እንታይ’ዩ፧ ንሓደ ተግባር ብዓይነቱ ጥራሕ ዘይኰነስ ብመንነት ናይቲ ፈጻሚኡ ኣካል ክንመዝኖ’ዩ ዚግባእ። በረኸት ይኹን ድኽነት፡ ጥዕና ይኹን ሕማም፡ ሞት ይኹን ሕይወት፡ ሓጐስ ይዅን ሓዘን፡ ኣሳልጦ ይኹን ዕንቅፋት፡ ምስ ተፈጸመ ብዛዕባ ፈጻሚኡ፡ “ጐይታና’ምበር’ዩ” ገባሪኡ ንሱ እንተ ዘይኰይኑ ድማ “ጐይታና ኣይኰነን” ኢልና ኸነለሊ ክንፈልይን እንተ ዘይክኢልና፡ በቲ ተግባር’ቲ ንጉድኣትና ኽንዕንቀፈሉ’ምበር ንረብሓና ኽንህነጸሉ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ሓሳብ’ዚ ዜብርሃልና ቓል፡ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ብኸምዚ ዚስዕብ ተጻሒፉልና ኣሎ።
“ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል፡ ንዳሕራዩ ኼስተውዕሎ ኢሉ ዚሰምዖስ መን’ዩ፧ ያእቆብ ንወራር እስራኤል ከኣ ንዘመተ ዝወፈየ መን’ዩ፧ እቲ ብመገዱ ኺመላለሱ ዘይፈተዉ፡ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ ንሕና’ውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሔርዶ ኣይኰነን ዝገበሮ፧ ስለዚ ቚጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዓወሉ። እዚ’ውን ብኽቡ ኣንደዶ፡ ግናኸ ኣይፈለጠን፡ ሞዅ ኣበሎ፡ ግናኸ ናብ ልቡ ኣይተመልሰን።” ኢሳ 42፡23-25።
ካብዚ ጽሑፍ’ዚ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝወረደ ዜሰክሕን ዜጽንትን፡ ካብ ርስትኻ ዚነቅልን መዓት ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ ዝነበረ። ነድሪ ውግእ ኣብ ሃገሮም ኣብ ልዕሊኦም ተኻዕዩ፡ ንብረቶም ንወራርን ዘመተን ተወፈዩ፡ ዝተታሕዙ ዘበሉ ዅላቶም ሰቦም ድማ ተገፊፎም ካብ ሃገሮም ተነቕሉ። ነዚ ዅሉ ዝገበረ መን ምዃኑ ግን ፈጺሞም ኣይፈለጡን። ብዛዕባ ሕሰም ናይቶም ዝወረርዎም ጸላእቶም ይሓስቡ ነበሩ’ምበር ብዛዕባ’ቲ ኸም ጓህሪ ሓዊ ኣብ ልዕሊኦም ነድሪ ውግእ ዝኸዓወሎም ኣምላኽ ኣየስተውዓሉን። ንልቦም ናብ ምስትውዓል እንተ ዜቕንዑን፡ ሕሉፍ ታሪኽ ኣቦታቶምን ጐረባብቶም ነገራትን እንተ ዚዝክሩን ግብሮም ከኣ ብቕንዕና እንተ ዚምርምሩ’ሞ “ጐይታና’ምበር’ዩ ዝገበሮ” ኺብሉ እንተ ዚኽእሉ ብዙሓት ዓበይትን ለውጥታት ምረኣዩ ነይሮም። ቅድሚ ዅሉ ብሓቀኛ ንስሓ ናብ ኣምላኽ ምተመልሱ፡ ምግባር እከይ ምሓደጉ፡ ምግባር ሰናይ ምተማህሩ ነይሮም። እዚኣቶም ግና ገባሪኡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዘየስተውዓሉ፡ ሞዅ ኢሎም ክሳዕ ዚጠፍኡ ተቐጺዖም ኬብቅዑ፡ ወቓዒኦምን ዘውቅዖም ተግባርን እንታይ ምዃኑ ኬስተውዕሉ ኣይከኣሉን።
ሓዋርያት፡ ናይ ሓደ መስተውዓሊ ብጻዮም፡ “ጐይታ’ምበር’ዩ” እትብል ቃል ምስ ሰምዑ፡ እቲ ንብጾቱ ለኪሙ ንድሕሪት ዝተመልሰ ሓዋርያ ጴጥሮስ፡ ሕጂ’ውን ንኣታቶም መሪሑ ናብ ጐይታኡ ተመልሰ። ነባጊዕን ዕያውትን ናይ ጐይታኡ ንምምጋብን ንምሕላውን ተልእኾ ተቐበለ። ንሕና ኸኣ እንተ ባዕላትና ኣለሊናዮ፡ እንተ ብሰባት ተነጊሩና፡ እቲ ወሪዱና ዘሎ ክፉእ ይኹን እቲ ወሪዱልና ዘሎ ሰናይ ነገር ካብ ጐይታ ምዃኑ ኣለሊና ቕኑዕ ስጒምቲ ኽንወስድ ይግብኣና። ገባሪኡ ጐይታ ምዃኑ እንተ ኣስተውዒልና ብድሕሪኡ ንጐይታ ዜስምር ተግባር ንምግባር ኢና ንድረኽ። ጐይታ ምዃኑ እንተ ዘይፈሊጥና ግና፡ ኣብቲ ዘውቅዓና ተግባር ንቅጽል ጒድኣትና ድማ ብእኡ መጠን እናዓበየ ይኸይድ።
ገባሪ ናይቲ ዝወረደናን ዝወረደልናን ኵሉ፡ ጐይታ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምርግጋጽ ዜድልየና ንምንታይ’ዩ፧ እቲ ተግባር ሒዝዎ ዚመጽእ መልእኽቲ ስለ ዘለዎን፡ ንሕና ድማ ነቲ መልእኽቲ ተረዲእና፡ ነቲ ገባሪኡ እቲ ዚግባእ መልሰ ግብሪ ምእንቲ ኽንህብ’ዩ። ንኣብነት እቲ ወሪዱና ዘሎ ዅነታት ብሰሪ ሓጢኣትና ዝመጸ እንተ ዀይኑ፡ መልእኽቲ ናይቲ ዅነታት፡ “ተነሳሕ፡ ነቲ ሓጢኣት’ቲ ድማ ተመሊስካ ኣይትግበሮ፡ ርእስኻ ብጽድቅን ብቕድስናን ሓልው” ዚብል’ዩ። ነዚ መልእኽቲ’ዚ ናይ ምእዛዝ መልሰ ግብሪ እንተ ሂብካ’ሞ፡ እግዚኣብሔር ብመጠንን ኣገባብን ናይ ኣመላልሳኻ እንተ ዓጊቡ፡ ነቲ ዅነታት ይልውጦ፡ ኣብ ክንዲ ቕጽዓት ድማ በረኸቱ ይልእኽ ማለት’ዩ። ሰብ ዘልገበልካ፡ ብከላ ዘምጻልካ ብኣመጋግባኻን ወልፍታትካን ዘምጻእካዮ እትሓስብ ጥራሕ’ምበር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸጒሪ ርእስኻ’ኳ ሉኣላዊ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ፈጺምካ ዘይትዝክሮ፡ ንጒዳይካ’ውን ምስኡ ዘይተተሓሕዞ እንተ ዄንካ ግና፡ ነቲ ኣበሳኻ ዝበኣሰ ኻልእ ኣበሳ ደሪብካ፡ ንዅነታትካ ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ተብጽሖ ማለት’ዩ። ንኣብነት ብሰሪ ሓጢኣት ዝወረደ ሕማም እንተ ዀይኑ፡ ምእንቲ ኽትፍወስ ናብ ጠንቈልቲ ብምኻድ ንኣበሳካ ናብ ሰማይ ተዕርጎ ማለት’ዩ።
ካብቲ ዝውቱር ባህርይናን ልማድናን ከም እንግንዘቦ፡ ነቶም ዘይንደልዮም “ሕማቕ ኵነታት” ኢልና እንምድቦም ኵነታት ኢና፡ ከም ጠንቂ ኻልእ ኣካል እንደልየሉ እምበር፡ እንደልዮ ጽቡቕ ኵነታት ወይ ነገር እንተ ረኺብና ግን ባዕላትና ብመንፍዓትና ብብልሓትና ኸም ዘምጻእናዮ’ምበር፡ ካልእ ኣካል ከም ዝገበረልና ኽንሓስብ ፈጺምና ኣይንደልን ኢና። ንኣብነት ሃብቲ ዝረኸበ ሰብ፡ “መዓልትን ለይትን ጽዒረ፡ ርባን ኵርባን (ላዕልን ታሕትን) ኢለ፡ ብመንፍዓተይን ብብልሓተይን ዝረከብክዎ’ዩ” ዚብል ስምዒት’ዩ ዜንጸባርቕ። “እግዚኣብሔር’ዩ ሂቡኒ፡ እዚ ናይ ኣምላኽ በረኸት’ዩ፡ ብናተይ ዓቕምን ጻዕርን ዝተረኽበ ኣይኰነን” ዚብል ዳርጋ የለን ኪበሃል ይከኣል’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ሃብትና’ዚ “ጐይታ’ምበር’ዩ” ኽንብል ስለ ዘይፈቶና፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ሃብቲ’ውን ማእለያ ዘይብሉ ሓጢኣት ኢና ንፍጽም። “ነዚ ሃብቲ’ዚ ዝሃበኒ ጐይታ’ምበር’ዩ ኽንብል እምነትናን ምስትውዓልናን እንተ ረዲኡና ግን፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ህያብ ክንሓጥእ ኣይንደፍርን ኢና። ብዛዕባ ስልጣን፡ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ውሉድ ወዘተ’ውን ልክዕ ከምዚ ናይ ሃብቲ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኣተሓሓዛን’ዩ ዚህልወና። ግደ ሓቂ ኻብ ብሕማቕ ኵነታት በቲ ጽቡቕ ኵነታት እንጋገዮን እንብድሎን ይበዝሕ። ብሕማቕ ኵነታት ተደፊእና እንፍጽሞ መብዛሕትኡ ሓጢኣት፡ ናይ ምርረት ሓጢኣት’ዩ። መብዛሕትኡ ብሰሪ ጽቡቕ ኵነታት እንፍጽሞ ሓጢኣት ግን ናይ ድፍረት ሓጢኣት’ዩ። ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ዅነታት ናብ ሓጢኣት ኪደፍኣና ዘይምኽኑይ’ኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ብሰሪ ሕማቕ፡ ብሰሪ ጽቡቕ ኵነታት ተደፊእካ እትፍጽሞ ሓጢኣት ዝኸበደ’ዩ። ብዝቐለለን ዝውቱርን ኣብነት እንተ ረኣናዮ’ኳ፡ ብሰሪ ጽጋብ ዚሓጥእ ካብ ብሰሪ ጥምየት ዚሓጥእ፡ ብዓይኒ ሰብ ኰነ ብዓይኒ ኣምላኽ ዝኸፍአ ዀይኑ ኸም ዚረኣይ ርዱእ’ዩ። ንጉስ ሰለሞን’ውን ንስርቂ ጥሙይን ዝሙት ጽጋበኛን ኣመልኪቱ፦
“ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቀ፡ ሰብ ኣይንዕቆን’ዩ። እንተ ተታሕዘ ኸኣ ሾብዓተ ኢድ ይዓድይ፡ ኣብ ቤቱ ዘሎ ዅሉ’ውን ይህብ። እቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉን። እቲ ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደልይ’ዩ ኸምዚ ዚገብር። ቊስልን ነውርን ይረኽቦ፡ ጸርፉ’ውን ከቶ ኣይድምሰስን።” ኢሉና’ሎ7።
ብዛዕባ ዝምድናታትና’ውን እዚ “ጐይታ’ምበር’ዩ” ዚብል ረቂቕ መንፈሳዊ ርድኢት ክንጥቀመሉን፡ ዝምድናታትና ብጽድቂ ኣብ ምምሕዳርን ኣብ ምህናጽን ዝበለጸ ምርጫና ክንገብሮ ይግባእ። “ነዚ/ነዛ መጻምደይ ዝሃበኒ ጐይታ’ምበር’ዩ” ዘይብል ሰብ፡ ንሓዳሩ መፈብረኺ ሓጢኣት’ዩ ዚገብሮ። ስለዚ ኸኣ’ዩ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓዳር ባእሲ፡ ጽልኢ፡ ፍትሕ፡ ዝሙት ወዘተ ዚበዝሕ። ንኻልእ ኵሉ ማሕበራዊ ዝምድናታትና፡ ጐይታ ኸም ዝሃበና ኽቡር ህያብ እንተ ዘይርኢናዮ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዓባይን ንእሽተይን ዝምድናና ጽባሕ ንግሆ ኣብ ምጽኣቱ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ደው ኢልና ኽንሕተትን ጸብጻብ ክንህብን ምዃንና ኽንዝንግዕ ኣይግብኣናን’ዩ። ከም ቅዱስ ዳዊት ሰባት ኪብድሉናን ኪገፍዑናን ከለው ኸይተረፈ፡ “ካብ ጐይታና’ምበር’ዩ” ኽንብል’ዩ ዚግብኣና። ምኽንያቱ ኣምላኽ ከይፈቐዶ ኣባና ኺፍጸም ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር የልቦን። ሽምዒ ዝተባህለ ስዲ ሰብ፡ ንንጉስ ዳዊት መሪር ጸርፊ እናተጻረፈ ሓመድ ኪግጭቦን እምኒ ኺድርብየሉን ከሎ፡ “እግዚኣብሔር’ዩ ጽረፎ ኢልዎ፡ ይጽረፍ ሕደግዎ” ኢሉ ንባዕሉን ንወተሃደራቱን ደም ካብ ምፍሳስ ኣድሓነ8።
እምበኣር ንሕና’ውን ነዚ ናይ ቅዱሳን ጥበብ ናትና ንግበሮ። “ጐይታና’ምበር’ዩ” ከይበልና ክትስገር ኣብ ዘይትክእል ዓለም ኢና ንነብር ዘለና። ንዅሉ ነገርናን ኵነታትናን ዝምድናታትና፡ ምስ ጐይታ እናዛመድና፡ ብዓይኒ ጐይታ እናረኣና እንተ ዘየመሓዲርናዮ፡ ታኼላ (ሰልሚ) ዀይኑ ውሒጡ ኼትርፈና ምዃኑ ኣይንጠራጠር። ነዛ ጥበብ’ዚኣ ዚመልክዋ፡ እቶም ንዅለንተናኦም ፈትዮም ንጐይታ ዝቐደሱሉ ጥራሕ’ዮም። ነዚኣ እንተ መሊኽና ይትረፍ ብጽቡቕ በቲ ሕማቕ ዚመስል ኵነታትና’ኳ ወርትግ ኣመስገንትን ጻድቃንን ኴንና ብዓወት ክንወጽእ ኢና። ብዛዕባ’ዛ ዝተመሃርናያ ኣርእስቲ’ውን “ጐይታና’ምበር’ዩ ዚምህረና ዘሎ” እንተ ኢልና፡ መርበብ ሕይወትና ኻብ ሰበባ ሓጢኣት ነጺሃ ብገዘፍቲ ዓሳታት ጽድቂ ኽትመልእ’ያ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ግንቦት 14, 2013 ግዕዝ (23 ግንቦት 2021) - መበል 38 ሰንበት: ቊ.56/፶፮) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ቈረ 15፡50-ፍጻ |
1ዮሓ 3፡13-ፍጻ |
ግብ 2፡22-32 |
ዮሓ 21፡15-ፍጻ |
ዘዲዮስቆሮስ። |
መዝ 107፡14-16 ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ ፤ ወመንክሮሂ ለእጓለ እመሕያው ፤ እስመ ሰበረ ኆኃተ ብርት። መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፣ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፣ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ። |
1ማቴ 28፡7፣ ማር 16፡7:2ማር 5፡21-24,35-43፣ ማቴ 17፡1-8፣ 26፡36-38 3ዘጸ 8፡16-19:4ህዝ 14፡23 ፥ 5ዮሃ 21፡15-17 62ቈረ 12፡7-10፣ ገላ 4፡13-15:7ምሳ 6፡30-33 82ሳሙ 16፡5-13
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ