“ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም። ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ’ኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን’ሞ፡ ኣነ ኸም’ቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍ’ውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።>> 1ቈረ 3፡9-11
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቘጻጽራ ግእዝ መስከረም 16 ጥራሕ (መስከረም 26 ፈ)፡ <<ሕንጸተ ቤተ መቅደስ>> ተባሂላ’ያ እትጽዋዕ። ኵሉ’ቲ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ ምስ ህንጸት ቤት መቕደስ ዚተሓሓዝ ንባባት’ዩ። እቲ ንባብ ናይ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ኣብ’ቲ <<በዓል ምሕዳስ ቤት መቕደስ>> ኢሎም ኣይሁድ ኣብ ዜብዕልዎ በዓል ዝተፈጸመ’ዩ። እቲ ቤት መቕደስ፡ ቤቱን ቤት ኣቦኡን ስለ ዝዀነ፡ ጐይታና ኣብ’ቲ በዓል ኣብ ኢየሩሳሌም ተረኺቡ ነበረ። ኣብ’ቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብ ተገሊጹልና ኸም ዘሎ ድማ፡ ቅዱስ እስቲፋኖስ፡ ቀዳማይ ሰማእት፡ ብዛዕባ’ታ ብኢድ ንጉስ ሰለሞን ዝተሃንጸት መቕደስ ተዛሪቡ ኣሎ። እቲ ናይ ራእይ ዮሃንስ ንባብ’ውን ብዛዕባ’ታ ኣብ ሰማያት ብኣዝዩ ኽቡር ማዕድናት ተሃኒጻ ትጽበየና ዘላ ሰማያዊት መቕደስ ኣዘንትዩልና ኣሎ። ሊቃውንትና ኼዚምዎ ዝሓደሩ መዝሙር <<ሐነጽዋ>> (ሃነጽዋ)’ዩ ዚብል። እቲ ብሓባር ዜዘምናዮ ምስባኽ’ውን፡ እግዚኣብሔር ንቤት መቕደሱ ኸም ዝሃነጻ ዜመልክት’ዩ።
ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን፡ ብዛዕባ ሕንጸት ቤት መቕደስ ኪዝረብ ከሎ፡ ብዛዕባ’ቲ ሰብ ዝሰርሖ ብዕጨ-እምኒ ዝቘመ ህንጻ ይዛረብ ከም ዘየሎ ግና ብሩህ’ዩ። ህንጻ ሓድሽ ኪዳን ሰብ’ዩ። እዚ ህንጻ’ዚ ድማ ብቓል እግዚኣብሔርን ብመንፈስ ቅዱስን’ዩ ዚህነጽ። ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ንሕና እቶም ብክርስቶስ ዝኣመንና ክርስትያን ህዝቢ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢና። በብውልቅና፡ ህንጻ መቕደስ ኢና፡ ብሕብረት ምስ ተኣከብና’ውን ዝዓበየ መቕደስ ኢና። እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ማእከልና ይሓድር። ኣብ’ቲ ንሕና ብኢድና ዝሃነጽናዮ ህንጻ-ሰብ ክንእከብ ከለና ኸኣ፡ እግዚኣብሔር ኣብ’ቲ ህንጻ ምሳና ይርከብ። ንሕና ህንጻ ኣምላኽ ኴንና እንተ ዘይተሃነጽና ግና፡ ኣምላኽ ኣብ’ቲ ንሕና ዝሃነጽናዮ ህንጻ-ሰብ ኣይርከብን’ዩ። ንሕና እንእከበሉ ናይ ሰብ ህንጻ ስለ ዝዀነ ኸኣ’ዩ፡ ቅዱሳን ኣቦታትና <<ቤተ ክርስትያን>> ኢሎም ዝሰመይዎ። ቅዱስ እስቲፋኖስ ብናይ ሓሶት ክሲ ተኸሲሱ፡ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ምስ ቈመ፡ ካብ ኣቦና ኣብርሃም ጀሚሩ ክሳዕ’ቲ ብንጉስ ሰለሞን ዝተገብረ ህንጸት ቤት መቕደስ’ዩ ዘዘንተወ። ነቲ ዝተረኾ ታሪኽ እስራኤል ድማ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ዛዘሞ።
<<ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕድል ረኸበ፡ ንኣምላኽ ያእቆብ ዚኸውን ማሕደር (ኪሰርሕ) ከኣ ለመነ። ቤት ዝሃነጸሉ ግና ሰለሞን’ዩ። ነብዪ ኸም ዚብል፡ “ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ’ያ። ከመይ ዝበለት ቤት’ያ እትሃንጹለይ፧ ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ’ያ (ኣነ) ዝዓርፈላ፧ ነዚ ዅሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን’ያ፧” ይብል እግዚኣብሔር፡ እቲ ልዑል (ኣምላኽ) ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንጸት ቤት ኣይነብርን’ዩ።>> ግብ 7፡46-50
እዚ ሓቂ’ዚ ንኣይሁድ ጥራሕ ዘይኰነ ንኣህዛብ’ውን ተነጊርዎም’ዩ። እቲ እግዚኣብሔር ብርሃን ዓለም ዝገበሮ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ከተማ ኣቴና (ርእሰ-ከተማ ናይ ሃገረ ግሪኽ) ኪዘውር ከሎ፡ ንጣኦታውያን ኣማልኽቲ ዝተሃንጸ ብዙሕ መቕደሳት ምስ ረኣየ ብመንፈስ ተቓጸለ፡ (ግብ 17፡16)። ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ድማ ከም’ዚ ዚስዕብ በሎም።
<<ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዅሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም ኣለኹ። እናዞርኩ መቓድስኩም ክርእይ ከለኹ፡ “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምበኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘለኹም፡ (መን ምዃኑ) ንእኡ ኣነ እነግረኩም ኣለኹ። እቲ ንዓለምን ኣብኣ ንዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን’ዩ’ሞ፡ ብኢድ (ሰብ) ኣብ እተሃንጸ መቕደስ ኣይሓድርን’ዩ።>> ግብ 17፡22-24
እዚ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ፡ <<ኣምላኽ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሰርሐ ህንጻ ዘይሓድር እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ኣበይ’ዩ ዚሓድር፧>> ዚብል ሕቶ ኬልዕለልና ናይ ግድን’ዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ድማ እቲ መሪሕ ጥቕስና ድሮ መሊስዎ ኣሎ። <<ንስኻትኩም ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም>> ማለት <<ኣምላኽ ኣባኻትኩም’ዩ ዚሓድር>> ማለ’ዩ። እግዚኣብሔር ባዕሉ ኣብ ዝሃነጾ ነቲ መቕደስ’ምበር፡ እዚ ድኹምን ሓጥእን ሰብ ኣብ ዝሃነጾ መቕደስ ኣይሓድርን’ዩ። እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ህያው መቕደስ’ምበር ኣብ ግኡዝ መቕደስ ኣይሓድርን’ዩ። ማሕደር ኣምላኽ ኪኸውን ዚኽእል ህያው መቕደስ ድማ እቲ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ’ዩ። እግዚኣብሔር ንዘርኢ ሰብ ብመልክዑን ብምስሉን ኪፈጥሮ ገና ቕድሚ ምስራት ዓለም ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ መቕደሱን ማሕደሩን ኪገብሮ ስለ ዝመረጸ’ዩ። ጐይታና ኣብታ ምስጢረ ቊርባን ዝሰርዓላ ድሮ ስቕለቱ ዝነበረት ምሸት፡ ንቕዱሳን ሃዋርያቱን፡ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ኪነግሮም ከሎ፦
<<እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ’ሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ’ዩ ዜፍቅረኒ፡ ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ’ዩ። ኣነ’ውን አፍቅሮ፡ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ።>>
ኢሉ ተዛረቦም (ዮሃ 14፡21)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ ልቢ ቕዱሳን ሃዋርያቱ ሕቶ ስለ ዝፈጠረ፡ እቲ ዘይኣስቆሮታዊ ሃዋርያ ቕዱስ ይሁዳ፡ <<ጐይታይ፡ እቲ ርእስኻ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉ (መገድስ) እንታይ’ዩ፧>> ኢሉ ሓተቶ። ጐይታና ድማ ነዛ ረቃቕ ምስጢሩ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገለጸሎም።
<<ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ፡ ቃለይ ይሕልው’ዩ። ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡ’ውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።>> ዮሃ 14፡23
እምበኣር ካብ’ዚ ክርስቶሳዊ ቓል ከም እንርድኦ፡ ሓደ ክርስትያን፡ <<ንክርስቶስ ይፈልጦ’ዩ፡ ክርስቶስ ተገሊጹሉ’ዩ ኽንብል እንኽእል፡ ማሕደር ኣምላኽ ምዃኑ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብኡ ኸም ዝሓደሩ ምስ እነረጋግጽ’ዩ። ብንባብ ኰነ ብሰሚዕ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ብዙሕ ምፍላጥና፡ <<ክርስቶስ ተገሊጹለይ’ዩ፡ እፈልጦ’የ>> ኼብለና ኣይክእልን’ዩ። ብኣምላኽ ዘይኣምን ኣረሚን ሰብ’ውን ክንድ’ቲ ንሕና ዘንበብናዮን ዝሰማዕናዮን ኬንብብን ኪሰምዕን ዕድል እንተ ረኺቡ፡ ካባና ንላዕሊ ብዙሕ ኪፈልጥን ኬስተውዕልን ይኽእል’ዩ። <<ንክርስቶስ ይፈልጦ’ዩ>> ኢልና ኽንድምድም ግን ኣየኽእለናን’ዩ። ብዛዕባና’ውን እቲ መደምደምታ ልክዕ ከምኡ’ዩ። እዚ ዓብዪ መንፈሳዊ ምስጢር’ዚ፡ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ኼልዕለልና ናይ ግድን’ዩ።
ማሕደር ኣምላኽ (ህንጻ ኣምላኽ) ምዃንናን ዘይምዃንናን ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ ከምዛ ሕቶ’ዚኣ ገይሩ ብንጹር ዝተመለሰ ኻልእ ሕቶ ኣሎ ኽንብል ዚከኣል ኣይኰነን። ኣብዘን ልዕል ኢልና ዝጠቐስናየን ክልተ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥቕስታት (ዮሃ 14፡21,23)። እግዚኣብሔር ኣብቶም ዜፍቅርዎ ጥራሕ ከም ዚሓድር ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ጐይታ፡ ንፍቕሪ በዅሪ ዅሉ ትእዛዛት ገይሩ ልዕል ዘበላን ዘኽበራን። ሓደ እዋን ሓደ ኻብ’ቶም ንክርስቶስ ዚቃወምዎ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ናብ ጐይታና መጺኡ <<ኣዋጣርን
በዳህን’ዩ>> ኢሉ ብዝኣመነሉ ሕቶ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኬዋጥሮ ፈተነ።
<<መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ’ያ፧>> ማቴ 22፡35,36
ጐይታና ድማ ብዘየዳግምን ብዘየማትእን መገዲ ብኸም’ዚ ዚስዕብ መለሰሉ።
<<እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ’ያ፡ “እስራኤል ስማዕ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ’ዩ እግዚኣብሔር። ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።” እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ’ያ። እታ ኻልኣይታ እትመስላ ድማ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ”’ያ። ካብ’ዚኣተን እትዓብይ ካልእ ትእዛዝ የልቦን። . . . ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት’ዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ።>> ማር 12፡29-31 (ማቴ 22፡37-40)
እዚ ቓል ጐይታ፡ እቲ ንኣምላኽ እነፍቅሮ ፍቕሪ እንታይ ዓይነት ምዃኑ ብንጹር ኣፍሊጡና ኣሎ። ነዚ መብዛሕትና እነዘውትሮ ኣፋዊ (ናይ ቃላት) ፍቕሪ ሒዝና፡ <<ኣፍቅሮ’የ’ሞ ማሕደሩ’የ>> ኢልና ኽንትስፈው ዚከኣል ኣይኰነን። ብምሉእ ልቡ፡ ብዅሉ ነፍሱ፡ ብዅሉ ሓሳቡ፡ ብዅሉ ሓይሉ ዜፍቅር ጥራሕ’ዩ፡ ማሕደር ኣምላኽ ኪኸውን ዚበቅዕ።
ማሕደር ኣምላኽ (ህንጻ ኣምላኽ) ክንከውን ዜብቅዓና ፍቕሪ ኸም ዘሎና ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ ነዚ ሕቶ’ዚ’ውን ጐይታና ብንጹር መሊስዎ’ዩ። እቲ ልዕሊ ኢልና ዘንበብናዮ
<<እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ’ሞ ዚሕልዎ (ዚእዘዞ)፡ ንሱ’ዩ ዜፍቅረኒ።>>
ዚብል ቃል፡ መግለጺ ሓቀኛ ፍቕሪ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣብሪሁልና’ዩ። ንኣምላኽ ክንዝክር ወይ ክንሓስብ ከለና ውዕዉዕ ስምዒት ስለ ዝተሰምዓና ንኣምላኽ ልዑል ፍቕሪ ዘሎና መሲሉና ኽንጥበር ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንእኡ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ክንገልጸሉ ኸም ዚደልይ፡ እግዚኣብሔር ብዘየማትእ መገዲ ገሊጹልና’ዩ። ጐይታና ኣነጺሩ፡
<<እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሓልው። . . . እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን’ዩ።>>
ኢሉና’ዩ (ዮሃ 14፡15,24)። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ’ውን ነቲ ኻብ ጐይታኡ ዝስምዖ ኣብ ህይወቱውን ዝፈጸሞ ሓቂ ደጊሙ ብምግላጽ፦
<<ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሓሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። “ኣነ እፈልጦ’የ” ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ’ዩ፡ እታ ሓቂ’ውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕልው ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘለና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ እቲ “ኣብኡ እነብር ኣለኹ” ዚብል ከም’ቲ ንሱ (ከም’ቲ ክርስቶስ) እተመላለሶ፡ ንሱ’ውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ’ዩ።>>
<<እቲ ትእዛዛቱ ዚሕልው ድማ ኣብኡ (ኣብ ኣምላኽ) ይነብር፡ ንሱ’ውን (ኣምላኽ’ውን) ኣብኡ ይነብር። ኣምላኽ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ ንሕና በቲ ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና። . . . ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር፡ ንሱ’ውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።>>
<<ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕልው’ዩ’ሞ፡ ትእዛዛቱ’ውን ኣይከቢድን’ዩ።>> 1ዮሃ 2፡3-6፣ 3፡24፣ 4፡13፣ 5፡3
ትእዛዛቱ ምፍጻም ዘይንደልይን ዚኸብደናን እንተ ዀይኑ፡ ንኣምላኽ ዚኸውን ጽልኢ’ምበር ፍቕሪ ኸም ዘይብልና፡ እቲ ምርጫና የመልክተናን የቃልዓናን ኣሎ ማለት’ዩ። ንሙቐት ሰብነትና ብቴርሞ ሜተር፡ ንኽብደት ሰብነትና ብሚዛን ከም እንዕቅኖ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘለና ፍቕሪ’ውን በቲ ምእዛዝና ኢና እንመዝኖ።
ማሕደር ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ንምዃን መን’ዩ ዚሃንጸና፧ ብኸመይ ኢናኸ እንህነጽ፧ መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ እግዚኣብሔር ነቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠሮ ወዲ ሰብ መዓይይቱ ናይ ምዃን ክብሪ ብሕያውነቱ ኣጐናጺፍዎ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ክርስትያን ህዝቢ <<ህንጻ ኣምላኽ>> ጌርካ ኣብ ምህናጹ ዚዓይዩ ኣገልገልትን ኣገልግሎትን ኣቚሙ’ዩ ዚገብሮ። እቲ ዜብቊልን ዚሃንጽን ንሱ ባዕሉ’ዩ። ኣብ’ዚ ዕዮ’ዚ ምስኡ ሓቢሮም ዚዓይዩ ኣገልገልቲ ግን ይመርጽ። ከም ግራት-ኣምላኽ ገይሩ ኺሃንጸና ኸሎ፡ እቲ ወሳንን ዝዓበየን ናይ ምብቋልን ከም ዚፈርይ ናይ ምግባርን ግደ ባዕሉ ኺፍጽሞ ከሎ፡ ንሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ከም ተኻሊ፡ ንሃዋርያ ኣጵሎስ ከኣ ኣስታዩ ገይሩ መዓይይቱ ከም ዚዀኑ ገበሮም (1ቈረ 3፡5-8)። ስለ’ዚ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን፡ ካብ ፓትርያርክ ጀሚሩ ኽሳዕ’ቲ ኣንባቢ ድያቆን፡ ኣብ’ቲ ዜገልግልዎ ህዝቢ ህንጻ መንፈስ ቅዱስ ንምህናጽ ዚዓይዪ ናይ ኣምላኽ ሰራሕተኛታት ህንጻ’ዮም። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡
<<ኣነ፡ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍ’ውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።>>
ብምባል ናይ ህንጻ ኣምላኽ ሃናጺ ምዃኑ ተኣመነ (1ቈረ 3፡10,11)። ብልሓተኛ ሃናጺ ዚገብሮ እቲ እተዋህቦ ጸጋ ኣምላኽ’ዩ። ናቱ ሓላፍነት በቲ ዝተዋህቦ ብልሓት ተጠንቂቕካ ጥዑይን ጽኑዕን ህንጻ ምህናጽ’ዩ። ስለ’ዚ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ንህዝብኻ ህንጻ ኣምላኽ ጌርካ ናይ ምህናጽ ሓላፍነቱ ኸም ዚግባእ እንተ ዘይፈጸመ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ኽቡር ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ጸጋ ኣምላኽ የባኽኖ፡ ነቲ ኣሚኑ ኣብ’ዚ ዕዮ’ዚ ዘመዘዞ ኣምላኽ ይጠልሞ ኣሎ ማለት’ዩ። ነቶም ህንጻ ኣምላኽ ናይ ምዃን ክብሪ ዝተዓደሎም ምእመናን ድማ ህንጻ ሰይጣን ኰይኖም ኪበላሸውን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ድራር ሓዊ ዀይኖም ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ከም ዚፍረዱን ብምግባር፡ ብዕዳ ደም ክርስቶስን ብዕዳ ደም ኵላቶም ምእመናኑን ተሓታቲ ይኸውን ማለት’ዩ። ካብ ምህናጽ’ኳ እንተ ዘይበዀረ፡ ኣብ ክንዲ ብወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ዚሃንጽ፡ ብሓሳርን ሳዕርን ዕንጸይትን ኪሃንጽ እንተ መሪጹ’ውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ገበነኛ ዀይኑ’ዩ ዚርከብ (1ቈረ 3፡12-15)። ኣገልገልቱ ብቑዓት ኰይኖም ምእንቲ ኺርከቡ ድማ እግዚኣብሔር እቲ ኺሃንጽዎ ዚግባእ ዓይነት ህንጻ እንታይ ምዃኑ ብንጹር የፍልጦም ንእኡ ንምግባር ዜኽእሎም ጸጋን ስልጣንን ድማ ይህቦም።
<<ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን (ኣገልገልቲ)፡ ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ገሊኦም ሃዋርያት፡ ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን (ሰበኽቲ-ወንጌል)፡ ገሊኦም’ውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሃበ።>> ኤፌ 4፡11-13
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ቓል ከም እንርድኦ’ምበኣር፡ ሓደ ህዝቢ <<ህንጻ ኣምላኽ ንምዃን ተሃኒጹ>> ዚበሃል ናብ ምልኣት ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ ምስ ዚበጽሕ’ዩ ከምኡ’ውን ካብ መንፈሳዊ ቚልዕነት ተናጊፉ ናብ ብክርስቶስ ብጹሕ (እኹል፡ ብሱል) ሰብ ናብ ምዃን ብምልኣት ምስ ዚዓብይ’ዩ። ናብ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተመላለሰ፡ ናይ ኣባልነት ክፍሊቱ ስለ ዝኸፈለ ጥራሕ፡ ህንጻ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርና እንተ ቘጸርናዮ፡ እቲ ዋና ናይ’ቲ ህንጻ ኺዕዘበናን ኪፈርደናን’ዩ። መዓይይቲ ኣምላኽ ተሰሚኻ ኸተብቅዕ፡ ነቲ ህንጻ ተጠንቂቕካ ብወርቅን ብብሩርን ብኽቡር እምንን
እንተ ዘይሃነጽካ ኸቢድ ሓጢኣት’ዩ ዚዀነካ።
እቲ ህንጻኸ ብምንታይ’ዩ ዚህነጽ፧ ብዓይነት ናይ’ቲ ሃነጺ’ዩ ዚውሰን። እቲ ዘይብቚዕን ሃካይን ሃናጺ፡ ምእንቲ ኸይደክምን እቲ ህንጻ ቐልጢፉ ምእንቲ ኺዛዘምን ኢሉ፡ ብዕንጸይትን ሓሰርን ሳዕርን ርቅዕ ርቅዕ ኣቢሉ’ዩ ዚሃንጾ። እቲ ዕሽነቱ ግና ኣብ መወዳእታ እቲ ህንጻ ብሓዊ ኸም ዚፍተን ፈትዩ ምርሳዑ’ዩ። ሓዊ ሒዙ ንዚፍትነካ ጐይታ፡ ብሳዕርን ዕንጸይትን ዝተሰርሐ ህንጻ ሒዝካ ምጽናሕ፡ ኣብ ርእስኻን ኣብ ህንጻኻን ምፍራድ’ዩ ዚኸውን። ክንሃንጸሉ ዚግብኣና ናውቲ ህንጻ፡ በቲ ዚፍትኖ ሓዊ መሊሱ ዚጸንዕን ዚጽብቕን ከምኒ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ዘመሰለ ናውቲ ህንጻ’ዩ። እዚ ድማ ንምርካቡ ኰነ ንምስርሑ ብዙሕ ጻዕርን ጸዓትን ጥበብን ዚሓትት ስራሕ’ዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ተባሂሉ ቃል-እግዚኣብሔር ምዃኑ፡
<<ቃላት እግዚኣብሔር ጽሩይ ቃላት’ዩ፡ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፡ ብሾብዓተ ሳዕ እተዀልዐ ብሩር’ዩ። . . .ሕጊ እግዚኣብሔር ፍጹም’ዩ፡ ንነፍሲ ይመልሳ . . . ካብ ወርቂ፡ አረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ’ኳ ዚሕረይ’ዩ . . .>>
ብዚብል ቃላት ተገሊጹልና ኣሎ (መዝ 12፡6፣ 19፡7,10 ፣ 119፡72)። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ’ውን ነቲ ህንጻኡ ብምንታይ ይሃንጾ ኸም ዝነበረ፡
<<ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሃንጸኩምን ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸግኡን አማሕጽንኩም ኣለኹ።>>
ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ግብ 20፡32)። ስለ’ዚ እቶም ኣገልገልቲ በዚ ቓል ጸጋ’ዚ ጌርና ንሃንጽ ምህላውና፡ እቶም ህንጻ ኣምላኽ ንምዃን እንህነጽ ዘለና ምእመናን በዚ ቓል-ጸጋ’ዚ ንህነጽ ምህላዉና ርግጸኛታት ክንከውን ይግብኣና። እቲ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ኤፌሶንን ካልኦት ኣብያተ ክርስትያንን ዝተባህለ፦
<<እምበኣርሲ ንስኻትኩም ኣብ’ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም’ምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። ኣብኡ ብዘሎ’ቲ ህንጻ ብጐይታ ቕድስቲ ቤት መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓብይ’ዩ። ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ፡ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣለኹም።>>
ዚብል ቃል፡ ኣባናን ኣብ ቤተ ክርስትያንናን’ውን ሓቂ ምዃኑ ኸነረጋግጽ ናይ ኵላትና ሓላፍነት’ዩ።
እምበኣር ንኣምላኽ ነፍቅርን፡ ንእኡ ዘሎና ፍቕሪ ንቓሉ ብምእዛዝ ንገልጽን ከም ዘለና ነረጋግጽ። ከመይሲ ኣምላኽ ዚግለጸሎምን ዚፈልጥዎን እቶም ዚእዘዝዎ ጥራሕ’ዮም። እቶም ኣብ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ዚህነጹ ክርስትያን፡ ንሳቶም ድሮ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽን፡ ነቶም ዜፍቅርዎም ቅዱሳን ከኣ ደቂ ዓዶምን’ዮም። እቶም ዘየፍቅሩን ዘይእዘዙን ህይወቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዘይሃነጹን ግና ንኣምላኽን ንመንግስቱን ጓኖት’ዮም። ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ግና ደቂ ዓዶም ስለ ዝዀኑ፡ ዘለኣለማዊ ርስቶምን መረበቶምን ኣብ ገሃነም’ዩ ዚኸውን። ስለ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋልን ምእመንን <<ብሓቂዶ ህንጻ ኣምላኽ’የ፧ ቅድስት ስላሴ ዚሓድርዎ ማሕደር ኣምላኽ ድዩ፧>> ኢሉ ርእሱ መዓልታዊ ኺምርምርን፡ ሓቀኛ ሃለዋቱ ኼረጋግጽን፡ ንጽባሕ ዘይበሃልን ዘይጉሰይን ሓላፍነቱን’ዩ’ሞ፡ ርእስና ንመርምር፡ ብመንፈስ ኣምላኽን ብቓሉን ድማ ንተሃነጽ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ መስከረም ፲፮, ፳፻፲፬ ግዕዝ (26 መስከረም 2021 ፈረ). 3ይ ሰንበት: ቊ.3/(፫) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ቈረ 3፡10-ፍጻ |
1ጴጥ.2፣1-10 |
ግብ.7፣44-50 |
ዮሓ10፣22-ፍጻ |
ዘእግዚእነ(ነአኩተከ) |
መዝ.፶፣18-19። አሠንያ እግዚኦ በሥምረትከ ለጽዮን። ወይትሐነጻ አረፋቲሃ ለኢየሩሳሌም። አመ ትሠምር መሥዋዕተ ጽድቅ። መዝ. 51፣18-19። ንጽዮን ብጸጋኻ ሰናይ ግበረላ፣ መካበብያታት የሩሳሌም ንደቕ። ሽዑ ብመስዋእቲ ጽድቂ፣ ብዚሐርር መስዋእቲ፣ ብምሉእ መስዋእቲ ባህ ኪብለካ እዩ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ