“ንስኻትኩም ግና እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን ኽትነብሩ ኢኹም። እታ ክርስቶስ ዝተስፈወና ተስፋ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ያ።” 1ዮሃ 2፡24,25
እዚ ሰንበት’ዚ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ዓስራይ፡ ናይ ዘመን ዕርገት ድማ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ሰንበት’ዩ። ደጊም ናብ ዘመን ኣስተምህሮ ኢና ኽንሰግር፡ ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር “ዓርገ እግዚኣብሔር በቃለ ቀርን (እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ)” ዚብል መዝሙር’ዩ። ነቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባኽ መሰረት ገይሩ ዝተዳለወ፡ መዝሙር’ዩ። ኣብ’ቲ ጐይታና ዝዓረገሉ’ሞ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም የማዕድዉ ዝነበሩሉ ጊዜ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ተገሊጾም፦
“ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፡ ከም’ቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረኣኹምዎ፡ ከምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ’ዩ።” በልዎም (ግብ 1፡10)። ስለ’ዚ ዕርገት ምስ ምጽኣት ጐይታና ቐጥታዊ ዝምድና ዘለዎ ፍጻመ ስለ ዝዀነ፡ ኵሉ ጊዜ ኺዝከር ዚግብኦ’ዩ። ካብ’ቶም ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዑልና ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ ናይ 1ዮሃ 2፡20-29 ንባብ’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ፡ ኣብ’ዚ መልእኽቱ’ዚ ኣዝዮም ብዙሓት ኣገደስቲ ኣርእስቲ ኣልዒሉ’ኳ እንተ ሃለወ፡ ነዚ ዕለት’ዚ ተመሪጹልና ዘሎ ኣርእስቲ፡ እዚ “ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ይንበር” ዚብል ኣገዳሲ ኣርእስቲ’ዩ። እቲ ዚስማዕ፡ ቃል እግዚአብሔር’ዩ። እቶም እዚ መልእኽቲ’ዚ ዝተጻሕፈሎም ሰባት ነቲ ዚስማዕ ቃል ድሮ ሰሚዖምዎ’ዮም። ዋላ’ኳ ብንጹር ዝተሓበረ እንተ ዘየልቦ፡ እቲ ኺስማዕ ዚግብኦ ቓል-ወንጌል፡ ካብ ልሳን ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ሰሚዖምዎ ኪዀኑ ዚከኣል’ዩ። ሕጂ ግና፡ ኣብ’ቲ ዘለዎ ቦታ ዀይኑ መልእኽቲ ብምድላው ንመንፈሳውነቶም ኪሃንጽ ጻሓፈሎም። እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ኣብኣቶም ኪነብር ከም ዚግብኦ ድሕሪ ምግላጹ፡ ከምኡ ናይ ምግባር ረብሓ ድማ፡ ብንጹር ሓበሮም። ስለ’ዚ ንፉዓት ሰማዕቲ ምዃንና ጥራሕ ኣኻሊ ኣይኰነን። ካብኡ ሕልፍ ኢልና ነቲ ዝሰማዕናዮ ቓል ኣብ ውሽጥና ኪነብርን ኪሰርሕን ክንፈቅድ የድልየና ማለት’ዩ። ነቲ ናብ ቤት እግዚአብሔር መጺእናን፡ ብኻልእ መገድታትን ዝሰማዕናዮ ቓል እግዚአብሔር ብመንጽር’ዚ ሎሚ እንመሃሮ ትምህርቲ ኽንመዝኖን ርእስና ኽንምርምርን ኬድልየና’ዩ።
ናብ’ቲ ዚስዕብ መሰረታዊ ሓሳብ ቅድሚ ምስጋርና፡ ብመሰረቱ “ምስማዕ” ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧ “ቃል እግዚአብሔር ሰሚዐ” ንኽንብል ኣሰማምዓና ከመይ ኪኸውን’ዩ ዚግብኦ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ባህርያዊ ናይ ምስማዕ ስምዒት ዚምልከት ከም ዘይኰነ ብሩህ’ዩ። ከምኡ እኝተ ዚኸውን መልእኽትና ብዛዕባ’ቶም ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም እዝኖም ዚጸንዖም ወይ ፈጺሞም ዝጸመሙ ሰባት ጥራሕ ምዀነ ነይሩ። ሕጂ ግን ብዛዕባ’ቶም ባህርያዊ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘይብልና፡ ግን ከኣ ነቲ ብእዝንና ዝኣተወ ቓላት ኣብ ውሽጥና ዘይንሰምዖ ወይ እንሰምዖ ሰባት ኢና ንዛረብ ዘለና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዝዩ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ድሕሪ ምውዳኡ፡ “እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡” እትብል ቃል ይደጋግም ነበረ (ማቴ 11፡15፣ 13፡9፣ ማር 4፡23፣ 7፡16)። ንሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብዛዕባ’ተን ሾብዓተ ኣብያተ ክርስትያን ብራእይ ኪዛረቦን ኸሎ ድማ፡ “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ (ንኣብያተ ክርስትያን) ዚብለን ዘሎ ይስማዕ” ይብል ነበረ (ራእ 2፡7,11,17,29፣ 3፡6,13,22)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብዛዕባ’ዚ ባህርያዊ ኣብ ርእስና ጠቢቑ ዘሎ ኽልተ ኣእዛን ከም ዘይኰነ ርዱእ’ዩ። ብኻልእ እዘራርባ፡ ብዛዕባ’ቲ ውሽጣዊ እዝንና፡ ማለት ብዛዕባ እዝኒ ልቦናና (እዝነ ልቡና)’ዩ ዚዛረብ ዘሎ።
ካብ ዘመነ ነብያት ጀሚሩ’ውን ብዛዕባ’ዚ ናይ ደቂ ሰብ ናይ ዘይምስማዕ መንፈሳዊ ጸገም፡ እግዚአብሔር ደጋጊሙ ይዛረብ ነይሩ’ዩ። ግደ ሓቂ ብዛዕባ’ዚ ብእዝነ ልቦና ናይ ዘይምስማዕ ጸገም፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን’ዩ እቲ ዝበዝሐን ዝሓየለን መልእኽቲ ተጻሒፉ እንረኽቦ።
“ኣታ ልቢ ዘይብሉ፡ ዓይኒ ኸለዎ ዘይርእይ፡ እዝኒ ኸለዎ ድማ ዘይሰምዕ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ ..... ።” ኤር 5፡21
“ደሓን ከለኺ ተዛረብኩኺ፡ ንስኺ ግና፡ <ኣይሰምዕን> በልኪ። ድምጸይ ዘይምስማዕክስ፡ እቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚሩ ዝነበረ (ኣካይዳኺ)’ዩ። ንዅሎም ጓሶትኪ (መራሕትኺ) ንፋስ ኪጓስዮም’ዩ ..... ።” ኤር 22፡21,22
“ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንስኻስ ኣብ ማእከል ዓላዊት ቤት ትነብር ኣለኻ። ዓላዊት ቤት እዮም’ሞ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፡ (ግናኸ) ዘይርእዩ፡ እእዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም (ግናኸ) ዘይሰምዑ እዮም። ህዝ 12፡2
“ኣቱም ጸማማት ስምዑ፡ ኣቱም ዕውራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ፡ ባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕውር መን’ዩ፧ ከም’ቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን’ዩ፧ ዕውር ከም ፈታውየይ፡ ዕውር ከም ባርያ እግዚአብሔር መን’ዩ፧ ብዙሕ ነገር ርኢኻ ግናኸ ኣይሓለኻዮን፡ ኣእዛንካ ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ’ኳ ኣይሰማዕካን።” ኢሳ 42፡18-20
ካብ’ዚ ጥቕስታት’ዚ ብንጹር ከም ‘ንርድኦ፡ “ጸማማት፡ ዘይሰምዑ፡ ዓለውቲ” ዚበሃሉ ዘለዉ፡ እቶም ነቲ ቓል ብእዝኖም ዝሰምዕዎ ሰባት’ዩ። ግናኸ ብእዝኖም ሰሚዖም ኬብቅዑ፡ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል፡ ዝኰነ ዓይነት እወታዊ ግብረ-መልሲ ዘይሃቡ ሰባት ድማ’ዮም። ስለ’ዚ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም፡ ወይ’ውን ብናይ እግዝኣብሄር ኣገላልጻ፡ “ምስማዕ” ማለት፡ ነቲ በእዛንካ ዝሰማዕካዮ ቓል ዚምጥን መልሰ-ግብሪ ምሃብ ማለት’ዩ። እቲ መልሰ-ግብሪ ስምዒታዊ (emotional) ወይ ከኣ ግብራዊ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ስምዒታዊ መልሰ ግብሪ፡ ናብ ግብራዊ መልሰ ግብሪ ዚድርኽ ግድነታውን ኣድላይን’ዩ። ቃል እግዚአብሔር ምስ ተነግረካ ‘እሞ በእዛንካ ምስ ሰማዕካዮ ብዛዕባ ሓጢኣት እንተ ዀይኑ፡ ጣዕሳን ጓህን እንተ ተሰሚዑካ እቲ ግቡእ ስምዒታዊ መልሰ-ግብሪ ሂብካ እለኻ ማለት’ዩ። ኣብኡ ጥራሕ ከይተደረትካ፡ ዝበደልካዮ ሰብ እንተ’ልዩ ቅድም ናብኡ ኼድካ ይቕሬታ ሓቲትካ ምሳኡ ተዓሪቕካ ብድሕሪኡ ናብ ኣምላኽ ቀሪብካ ልባዊ ንስሓ እንተ ኣተኻ፡ ነቲ ዝተነግረካ ቓል ናይ ብሓቂ ሰሚዕካዮ ኣለኻ ማለት’ዩ። ብዛዕባ ዝሰማዕካዮ ነፍሲ ወከፍ ኣርእስትን ቃልን ከም’ዚ ዝዓይነቱ መልሲ ግብሪ እንተ ሂብካ፡ ብርግጽ ሓቀኛ ሰማዒ ኢኻ። እዚ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ድማ ኣባኻ ተፈጺሙስ፡ እቲ ዝሰማዕካዮ ቓል ኣባኻ ይነብር፡ ይሰርሕ ከኣ’ሎ ማለት’ዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ቓል ጽን ኢልካ በእዛንካ ሰሚዕካዮ ኸተብቅዕ፡ ዝዀነ ስምዒታዊ መልሰ ግብሪ እንተ ዘይሃብካ፡ ወይ’ውን ኣብ ስምዒታዊ መልሲ ጥራሕ ተደሪትካ እኝተ ተረፍካ፡ በዚ ዘንበብናዮ ጥቕስታት መሰረት፡ እናሰምዐ ዘይሰምዕ ጸማም፡ ዓላዊ፡ ዓሻ ሰብ ትኸውን ማለት’ዩ። ህዝቢ እስራኤል ንቓል እግዚአብሔር ብእዝኖም ኪሰምዕዎ’ምበር ብልቦም ኪሰምዕዎ፡ ማለት ኣብ ውሽጦም ኪነብር፡ ዘይደልይዎ ህዝቢ’ዮም ዝነበሩ። ስለ’ዚ ድማ እግዚአብሔር ብዛዕባኦም ብቕዱሳን ነብያት ገይሩ ኸም’ዚ ዚስዕብ ይብሎም ነበረ።
“..... ኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቋርጽ፡ ድምጽኽ ከም መለኸት ዓው አብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት እስራኤል ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ንሳቶም ብመገደይ ኪመላለሱ ኸም ዝፈተዉ (ኼምስሉ) መዓልቲ መዓልቲ የምልኹኒ፡ ከም’ቲ ጽድቂ ዚገብርን ሕጊ ኣምላኹ ዘይሓደገን ህዝብስ ቅኑዕ ሕጊ ኻባይ (ኪስምዑ፡ ኪቕበሉ) ይደልዩ፡ ፈትዮም ዜምልኹኒ ኸኣ ይመስሉ።” ኢሳ 58፡1,2
“ኣታ ወዲ ሰብ፡ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ ቀጽርን ኣብ ኣፍ ደገታት ኣባይትን ኰይኖም (ብዛዕባኻ) ይዘራረቡ ኣለዉ። ንሓድሕዶም ከኣ፡ <እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚአብሔር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ንስማዕ፡> ይብሃሃሉ ኣለዉ። ስለ’ዚ ህዝበይ (ንስኻ) እንታይ ከም እትብል ኪሰምዑ ናባኻ ዕጕጕ ይብሉ ኣለዉ። ግናኸ ከም’ቲ ዝበልካዮ ኣይገብሩን ኣለዉ። ብኣፎም (ብዛዕባ ቓለይ) ፍቕሪ ዝመልኦ ዘረባ ይዛረቡ፡ ብልቦም ግና ህርፋኖም ኬርውዩ ይጐይዩ። (ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም’ዩ ዚኸይድ)። ንስኻስ ከም’ቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ዚደርፍ፡ ምህራም መሰንቆ’ውን ዚኽእል ሰብ ኰንካዮም። ቃልካ ይሰምዑ፡ ግናኸ ኣይፍጽምዎን’ዮም።”
ነዚ ቓል’ዚ ምስ ኣንበብካ፡ ንምንታይ ምስማዕ ቃል እግዚአብሔር ከም ዜብህጎም ንኽትርድኦ ይኸብደካ’ዩ። ከም ሓደ ጽቡቕ ናይ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚ ወይ’ውን ከም ሓደ መዘናግዒ (Entrtainment) ይርእይዎ ነይሮም ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ንቓል እግዚአብሔር ብልብኻ ዘይምስማዕ፡ እቲ ዝሰማዕካዮ ቓል ኣብ ውሽጥኻ ኪነብርን ኪሰርሕን ናይ ዘይምፍቃድ ግብራዊ መልእኽቲ ኣዝዩ ኽፉእ’ዩ። እምበኣር ካብ’ዚ ልዕል ኢና ዝረኣናዮ መልእኽቲ፡ ክልተ ዓይነት ሰማዒ’ዩ ዘሎ። እቲ ሓደ እዝናዊ ሰማዒ ዀይኑ፡ ብእዝኑ ቓላት ኣብ ምልቃምን ምስትምቓርን ጥራሕ ዚግደስ ከንቱ ሰብ’ዩ። እቲ ኻልኣይ ሰማዒ ድማ ልባዊ ሰማዒ ዀይኑ፡ ኣብ ምስትምቓር ቃላት ከይተደረተ፡ ኣብ ትግባረ ናይ’ቲ ዝሰምዖ ቓል ዚተግህ፡ ኣምላኽ ዜድህበሉ ኽቡር ሰብ’ዩ።
ካበየኖት ዓይነት ሰማዕቲ ምዃንና ዚውስን ረቛሒ ግን እንታይ’ዩ፧ ብሃንቀውታን ብልዑል ግዳሰን ሰሚዕካዮ ኸተብቅዕ፡ ኣብ ውሽጥኻ ኪእሰር’ምበር ኪነብር ዘይተፍቅደሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ብዘይ ቃልዓለም፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ዚበቅዕ ሰብኣዊ መልሲ ኽትረክብ ከቶ ዘይሕሰብ’ዩ። እቲ ንልቢ ሰብ ኣጸቢቑ ዚምርምሮን ኣዳቒቑ ዚፈልጦን ጐይታ ጥራሕ’ዩ ነዚ ሕቶ’ዚ ብብቕዓት ኪምልሶ ዚኽእል። ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ ድማ፡ ኣብ’ቲ ጐይታና ዝመስሎ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ኢና ከም ዚግባእ ተገሊጹ ንረኽቦ (ማቴ 13፡3-9,18-23፣ ማር 4፡1-9,13-20፣ ሉቃ 8፡4-8,11-15)። በዚ ምህሮ’ዚ መሰረት፡ እቲ ዓይነት ሰማዕቲ ዚውስን ረቛሒ፡ ዓይነት-ልቢ’ዩ። ኣብ’ዚ ምስላ’ዚ ጐይታና ንዓይነት ልቢ ምስ ዓይነት ናይ ግራት ወይ ሓመድ ኣዛሚዱ ገሊጽዎ ኣሎ። ብመሰረት ኣገላልጻ ናይ ጐይታና፡ ሰባት ብኣሰማምዓኦም ወይ ብዓይነት ልቦም ኣብ ኣርባዕተ ይኽፈሉ።
1. ንሰይጣን ዝተቓልዐ ዘይተሓለወ ልቢ፦ ኣብ ከም’ዚ ዝዓይነቱ ልቢ ንዝኣተወት ዝዀነት ትኹን ቃል፡ ነዛ ንኼስተንትና’ኳ ዕድል ከይረኸበ፡ እቲ ሰራቒ ድያብሎስ ብኡንብኡ ይምንጥሎ (ዮሃ 10፡10)። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ሰብ፡ ካብ’ቲ ኣብ ካልኡ ዝነበረ ፈጺሙ ኸኣ ዘይሰምዐ ሰብ ዚፈልዮ ረቛሒ የብሉን። ካብ’ታ ቃል ኣምላኽ ዝሰምዓላ መድረኽ ውጽእ ምስ በለ። “እንታይ ተማሂርኩም፧” ኢልካ እንተ ሓተትካዮ፡ ይትረፍ ንትሕዝቶ ናይ’ቲ ስብከት ኪዝክሮ፡ ዋላ’ታ ኣርእስቲ’ውን ትዝ ኣይትብሎን’ያ። ግናኸ ስለ ዘይሰምዐ ዘይኰነስ፡ ብኡንብኡ ስለ ዝተመንጠለ’ዩ። ንዘይተሓለወ ገዛን ንብረትን ሰራቒ ሰብ ከም ዚጻወተሉ፡ ንዘይተሓለወ ልቢ ድማ ድያብሎስ’ዩ ዚዕንድረሉ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ቃል እግዚአብሔር “ልብኹም ሓልው፡ ነፍስኹም ሓልው” እናበለ ደጋጊሙ ዜጠንቅቐና (ፊሊ 4፡7 ፣ 1ተሰ 5፡23)። ንጉስ ሰለሞን’ውን፦
“ወደየ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ እዝንካ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኸበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ’የን’ሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ (ካብ ሓለዋኻ) ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን። ህይወት ካብኡ’ያ እትፍልፍል’ሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።” ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (ምሳ 4፡30-23)። “መንጣሊ ጕሒላ’ሎ” ተባሂሉ በቲ ፈላጥ-ኵሉ ጐይታ ተነጊሩካ ኼብቅዕ፡ ከም’ቲ ንንብረት ስጋኻ ዘይኰነስ፡ ሓለፋኡ እንተ ዘይሓሊኻዮ፡ ምርጫኻ ጥፍኣት ምዃኑ ብወግዒ ተኣሚንካ ኣለኻ ማለት’ዩ።
2. ኣዝዩ ተሪር ናይ እምኒ ልቢ፦ ኣብ ከውሒ ኸተብቍል፡ ኣብ ከውሒ ኣሰር ክትገድፍ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ከም’ቲ ኣብ’ቲ ምስላ ተገሊጹ ዘሎ፡ ዋላ ነቲ ተሓጕስካ ዝተቐበልካዮ ቓል ከተብቍሎን ከተፍርየሉን’ውን ኣይፈቕደልካን’ዩ። ካብ ላዕለ-ላዕላዊ ናይ ገጽ-ርአ (artificial) ህይወት ዚበልጽ ናብራ ኽትነብር ኣየኽእልን’ዩ። ልባውን ሓቀኛን ህይወት ስለ ዘይብልካ፡ ኣብ ዘይማእምኣካ እዋን ግልብጥ ኢልካ ብጥልመት ዝባንካ ሂብካ ኽትከይድ ዘየሰክፈካ ሰብ ገይሩ’ዩ ዜበላሽወካ። ትርሪ ልቢ፡ ክትነቕሎ ዜጸግም ሕሱም ኣበሳ’ዩ። ኣዝዩ ኣሰካፊ ዚገብሮ ኸኣ ዋላ’ቲ ልኡምን ልስሉስን ባህርይ ዘለዎ ሰብ ከይተረፈ፡ እቲ ዝኸፍአ ከውሒ ልቢ ኺህልዎ ዚኽእል ምዃኑ’ዩ። እግዚአብሔር ከኣ ከም ብትርሪ ልቢ ገይሩ ብኻልእ ኣበሳ ኺስክሕን ኪቝጣዕን ከሎ ኣብ መጽሕፍ ቅዱስ ዀነ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣይንርእዮን ኢና (ኤር 11፡8 ፣ ማር 16፡14 ፣ ኤፌ 4፡18) መስፈር ዓመጻና ገና ኸይመልአ ኸሎ። ብሕያውነቱን ምሕረቱን ተደሪኹ ነቲ ተሪር ልብና እንተ ዘይሓምሺሽዎ ወይ’ውን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ከም’ቲ ንሳኦል ዝገበረሉ፡ ነቲ ናይ እምኒ ልብና ነቒሉ ልስሉስ ናይ ስጋ ልቢ እንተ ዘይሂቡና፡ መዋጽኦን ንስሓን ክትረኽበሉ ዜጸግም ክፉእ ሃለዋት’ዩ (ህዝ 36፡26,27፣ 11፡19,20፣ 1ሳሙ 10፡6,9)። እግዚአብሔር ከኣ ብቓሉ ዚርዕድን ዚልስልስን ስቡር ልቢ ቕጥቁጥ መንፈስ ዘለዎ ሰብ’ዩ ዜኽብርን ዜፍቅርን (መዝ 34፡18፣ 51፡16,17፣ ኢሳ 57፡15፣ 66፡1,2፣ 2ዜና 34፡19,27-29)። እቲ ዜሕዝን ከኣ ትርሪ ልቢ ካብ ነቶም ካብ ኣምላኽን ቃሉን ርሒቖም ኣብ ዓለም ዚዕንድሩ ሰባት ንላዕሊ፡ ነቶም ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ዜዘውትሩን ንቓል ኣምላኽ ዚፈልጥዎን ሰባት ብዝኸፍአ ዜጥቅዕ ምዃኑ’ዩ። እቶም ናይ ኣምላኽ ህዝቢ ዝዀኑ እስራኤላውያን፡ ካብ’ቶም ኣረማውያን ኣህዛብ ዝኸፍአ ትርሪ ዝነበሮም ምዃኑ፡ ዓብይ መረጋገጺ ጭብጢ’ዩ። እቲ ጠንቂ ድማ፡ ነቲ እምነትናን ኣምልኾናን ከም ልማድን ባህልን ጌርና ናይ ምርኣይ እኩይ ዝምባለ ስለ እነማዕብል’ዩ (ኢሳ 29፡13,14፣ ማር 7፡6.7፣ 1ቈረ 3፡1-3፣ ቈሎ 2፡8)። ስለ’ዚ ኢና ብዛዕባ’ቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ግራት ዝዀነ ልብና ኣዚና ኽንጥንቀቕ ዚግብኣና፡
3. ጐይተት ዘብዝሐ ኣመንዝራ ልቢ፦ ንሓደ ግራት ክልተ ዋናታት እንተ’ልዮምዎ’ሞ፡ ክልቲኦም ዜዘድልዮም ዘራእቲ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ዚዘርኡሉ እንታይ ዓይነት ፍረ ምሃለዎ፧ እቲ ኣብ’ቲ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ግራት፡ እቲ “ይብጽሓኒ’ዩ። ግራተይ’ዩ” ዝበለ ሕሱም ዋና፡ ኣቐዲሙ እሾኽ ዘሪኡሉ ኸደ። ካልእ ዋና መጺኡ ድማ ስርናይ ዘርአ። እቲ እሾዅ ድማ ነቲ ስርናይ ሓኒቑ ፍረ ኸም ዘይህልዎ ገበሮ። ኣብ’ቲ ኣብ ማቴ 13፡24-30,36-43 ተገሊጹ ዘሎ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” እዚ ሃለዋት’ዚ ብንጹር መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ኽርዳድ ዚዘርእ፡ እቲ ጸላእ-ሰናይ ድያብሎስ’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ልዕለኻ ንዝተነስነሰ ዅሉ ዘርኢ ተተቐቢልካ ተበቍል እንተ ዄንካ፡ ነቲ ጥዑይ ዘርኢ ንማሕነቕቲ ኣሕሊፍካ እትህብ ሕሱም ሰብ’ምበር፡ እቲ ዘርኢ’ቲ ኣባኻ ኪነብርን ኬፍርይን ዕድል እትህብ ሰብ ኣይኰንካን ማለት’ዩ። ከም’ቲ ኣመንዝራ ሰብ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ መጻምድቲ ዚገብር፡ ኣመንዝራ ልቢ ዘለዎ ሰብ ድማ ንዝመጾ ዘርእን ዘራእን’ዩ ዜአንግድ። ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ልቢ ድማ፡ እቲ ኽፉእ ዘርኢ’ምበር፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ኣይዕወትን’ዩ። ምኽንያቱ ኣቐዲሙ ተዘሪኡን ኣሳፊሑን ዝጸንሐ እቲ እሾዅ’ዩ። እቲ ንእሾዅ ቀዳምነት ዚህብ ልቢ፡ ነቲ ዝሰምዖ ቓል ኪብድሎ’ሞ ሓጢኣቱ ኼብዝሕ’ምበር፡ ንምንታይ ነቲ ስርናይ ከም ዝደለዮ’ውን ኣይርድኣካን’ዩ። ብመሰረቱ ድማ፡ እግዚአብሔር ምትሕንፋጽ ኣይቅበልን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ “ሕጋጋተይ ሓልው፡ ንሓደ እንስሳ ዘቤት ምስ ካልእ እንስሳ ዘቤት ኣይተዳቕል። ንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያ። ብኽልተ ዓይነት ዝተኣልመ ኽዳን ኣይትከደን።”
“ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኹም፡ እቲ ዝዘራእኩምዎ ዘርኢ ምስ’ቲ ፍረ ወይኒ ሓቢሩ ኸይረክስ ክልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኡ። ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ጸሚድኩም ኣይትሕረሱ፡ ካብ ጸጕርን ሃርን ተሓዊሱ ዝተኣልመ ዓለባ ኣይትከደኑ” ኢሉ ኣዘዘ (ዘሌ 19፡19 ካ.ት ፣ ዘዳ 22፡9-11)። ኣብ ግራት ልብኻ ክልተን ልዕሊኡን ዘርኢ ኺዝራእ ምፍቃድከ ምስ ምንታይ’ዩ ኪቝጸር፡
4. ንኣምላኽ ዚፈርህ ጥዑይ ልቢ፦ እቲ ንዝሰምዖ ቓል ኣብ ውሽጡ ኺነብርን ኪሰርሕን ኬፍርይን ዚፈቅድ ሰብ፡ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዝተፈወሰ ልቢ ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ንሱ፡ ነቲ ዝሰምዖ ቓል ካብ መንጣሊ ጕሒላ ብኣጽንዖት ይሕልዎ። ኣብ ውሽጢ ልቡ ዓጋቲ ኸውሕን ሓናቒ እሾዅን ከይህልው ወርትግ ንልቡ ይምርምሮን የጽርዮን። ኵሉ ኣቓልቦኡ እቲ ቓል ብዘይ ዝዀነ ዕንቅፋት ካዕበት ዚፈረየሉ ነጻነትን ዕድልን ምርካቡ ምርግጋጽ’ዩ። እቲ ኸም’ዚ ዝልቡ ሰብ፡ ነቲ ፍረ ዚበዝሓሉ ዅሉ ረቛሒታት ከም ዚግባእ’ዩ ዜማልኦ (ዮሃ 15፡4-7)። ልክዕ ከም’ቲ ጐይታና “ብእትሰምዕዎ (ብዛዕባ’ቲ ‘ትሰምዕዎ) ተጠንቀቑ። ..... ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቝ።” ዝበሎ፡ ብዛዕባ ኣሰማምዓኡን ብዛዕባ’ቲ ዝሰምዖ ቓልን’ዩ ዚጥንቀቕ (ማር 4፡24፣ ሉቃ 8፡18)። ምኽንያቱ እዚ ኣብ ውሽጢ ሰብ ኪነብርን፡ ኪሰርሕን ኬፍርይን ዚኽእል ቃል፡ ኣብ መወዳእታ ዓለም ዚፈርድ’ውን ንሱ’ዩ።
“እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ፡ ምኽንያቱ ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ’ምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን። ነቲ ንኣይ ዚኣብይ ንቓለይ’ውን ዘይቅበል ዚፈርዶ ኣሎ እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ’ዩ።” ዮሃ 12፡4,48 ካ.ት
ነቲ ፈራዲኻ ኣብ ውሽጥና ኺነብር ዘይምፍቃድ ድማ ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ደሓን ኣየውህበናን’ዩ። እቲ መወዳእታኡ ኼጸብቕ ዚደልይ፡ ሎሚ ኣብ ምድሪ ኸሎ ነቲ ፈራዲ ቓል ዘለዎ ኣታሕዛ ኼጸብቕ ናይ ግድን’ዩ። ሎሚ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቓል እንህቦ ፍርዲ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሜና ሓሊፉ ኺጸንሓና’ዩ።
እቲ ዝሰማዕናዮ ቓል ኣባና ኺነብር ናይ ምፍቃድ ረብሓኸ እንታይ’ዩ፧ ነዚ ወርቃዊ ሕቶ’ዚ፡ እቲ መሪሕ ጥቕስና ባዕሉ መሊስዎ ኣሎ። እቲ ቓል ኣባና ናብራኡ ኺነብር እንተ ፈቒድናሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ እግዚአብሔር ኣቦን ኣብ እግዚአብሔር ወልድን የንብረና። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት እናተመላለስካ ኸለኻ፡ ኣብ ኣቦን ኣብ ወልድን ክትነብር ምኽኣል፡ ነዛ ኽትርድኦ’ውን ዚኸብድ ምስጢር’ዩ። ብኸመይ ከም ዚፍጸም እንተ ዘይተረዳእናዮ’ኳ ብኸመይ ከም እንረኽቦ ግን ብዘየማትእ መገዲ ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ኣብ መንግስተ ሰማይ ምስ ቅድስት ስላሴን ምስ ቅዱሳን መላእኽትን ምስ ኵላቶም ጻድቃን ኪነብር ዚኽእል፡ እቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ ኣቦን ኣብ ወልድን ዚነብር ሰብ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ እቲ ዚፈርድ ወልድ፡ ነቶም ገበርቲ ዓመጻ ኽነሶም ኣብ’ታ መንግስቱ ኺኣትው ዝተመነዩን ዝተጸበዩን ሰባት፡ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ኪዱ ርሓቑ፡ ከቶ ኣይፈልጠኩምን’የ” ዚብሎም (ማቴ 7፡20-23፣ 25፡12፣ ሉቃ 13፡22-27)። ነቶም ንቓል ኣምላኽ ኣብ ውሽጦም ኪነብር ብምፍቃዶም፡ ኣብ “ኣቦን ኣብ ወልድን ይነብሩ ንዝነበሩ ግና፡ <፣ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ንዑ ነቲ ቕድሚ ምስራት ዓለም ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ’ዩ ኢሉ’ዩ ብኽብሪ ዚቕበሎም (ማቴ 25፡34)። ነቶም ንቓሉ ዚእዘዝዎን ኣብ ውሽጦም ዜንብርዎን፦
“እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ’ሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ’ዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ’ዩ ..... ናብኡ’ውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።” ዚብል ተስፋ’ውን ሂቡ’ዩ (ዮሃ 14፡21,23)። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ’ውን፡ “እቲ ትእዛዛት ዚሕልው ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱ’ውን ኣብኡ ይነብር።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 3፡24)። ስለ’ዚ እቲ ቓል ኣባኻ ኪነብር ምግባር፡ ናብ’ዚ ድርብን መዳርግቲ-ኣልቦን ረብሓ’ዩ ዜእትወና። ብኣንጻሩ እቲ ዝስማዕናዮ ኣባና ኸይነብር እንተ ወሲንና ግና፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ኸቢድ ፍርዲ ምፍራድ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት ምፍጻም ማለት’ዩ።
እምብኣር ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሌና ዚፈስስ ዘሎ ቓል እንታይ ንገብር ከም ዘለና ርእስና ንመርምር። ንመንጣሊ ጕሒላ፡ ንዓጋቲ ኸውሒ፡ ንሓናቒ እሾዅ ኣሕሊፍና ብምሃብዶ ነዋርዶ ንህልው፡ ወይስ ልብና ኣርሒብና ኣብ ዝፋን ልብና ኣቐሚጥና ኸም ፍቓዱ ኺገዝእን ንህይወትና ኼመሓድርን ንፈቕደሉ ኣለና፧ ርእስና ኣይነታልል፡ እቲ ኣብ’ዛ ሓጻር ዕድመና ኣብ ልዕሊ ቓል ኣምላኽ እንገብሮ ዅሉ ኣብ’ቲ ኣብ ቅድሜና ዚጽበየና ዘሎ ዘለኣለማዊ ዘመን ሓሊፉ ኺጸንሓና’ዩ። እቲ ዚፈርድ ቃል ኣብ’ታ እትመጽእ ዓለም ንረብሓና ምእንቲ ኺፈርድ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ ቅኑዕ ንፍረድ። እቲ ህያውን ወሃብ ህይወትን ዝዀነ ቓል ኣብ ህይወትና ኣሳፊሑ ኺገዝእን መጻኢና ኼጸብቕን ንፍቐደሉ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሰነ 11, 2015 ግዕዝ (18 ሰነ 2023 ፈ [መበል 41 ሰንበት: ቊ.፵፱/49, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ.፵፮(፵፯)፡፭-፮ “ዓርገ እግዚአብሔር ባይባቤ። ወእግዚእነ በቃለ ቀርን። ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ።” “ኣምላኽ ብእልልታ፡ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፡ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፡ ዘምሩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ኤፌ 1፡15-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 2፡20-29 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 10፡36-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 15፡7-19 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ