“እምበኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ሓድሕድኩም’ውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ’ያ።” ያእ 5፡16።
ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰናብቲ ኸም ዝተጠቕሰ፡ ካብ ሰነ 26 ኽሳዕ መስከረም 25 ዘሎ ወርሓት፡ “ዘመነ ክረምት” ይብሃል። እዚ ዘመን ክረምቲ ድማ ናብ ንኡሳን ዘመናት ዝተኸፋፈለ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ንኡስ ዘመን ከኣ፡ ነዚ ዘለናዮ ሰንበት ዜጠቓልል ካብ ሰነ 26 ክሳዕ ቂርቆስ (ሓም.15) ዘሎ ቕንያት ኰይኑ፡ “ዘርእ፡ ደመና፡ ጠል” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኻብ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ጀሚርና ተጸሚድናሉ ዝጸናሕና ጾመ ሃዋርያት’ውን ናብ ምዝዛም ገጹ’ዩ። እግዚአብሔር ንጾምና ብዓወት ኣፈጺሙ ርሑስ በዓል ይግበረልና። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተደርሰ መዝሙር፡ “ድምፀ እገሪሁ ለዝናም” ዚብል ኰይኑ፡ ንእኡ መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ንባባት ድማ ዝናም-ጠቀስ ንባባት’ዮም። ናይ ዝናም ወቕትታት ጊዜኦም ሓልዮም ስለ ዚኽሰቱ፡ ተፈጥሮ ዝለገሰትልና ስሩዕን ግድነታውን ክስተት’ምበር፡ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዚህበና መለኮታዊ ህያብ ምዃኑ ኣይነስተውዕለሉን ኢና። ዘይምስትውዓልና ጥራይ ከኣ ኣይኰነን። ገና ኽረምቲ ኸይኣተወ ኸሎ፡ ትጽቢትናን ትውክልትናን ኣብ ኣምላኽ ጌርና እግዚአብሔር ንፍረ ዚኸውን ዝናም ኪህበና ልባዊ ጸሎት ኣይነዕርግን ኢና። ሰኣን ብደርቂ ዝሃልቕ፡ ብሰሪ ዝናም’ውን ብዕልቕልቕ ዚጠፍእ ህዝቢ ኸም ዘሎ ዝውቱር ዜና እናሰማዕና’ኳ፡ ነቲ ዚህብን ዚኸልእን ኣምላኽ ክንልምን ዘይምትጋህና ናይ’ቲ ስዉር ትርሪ ልብና ግሁድ መርኣያ’ዩ።
ኣዘውቲሩ ኸም ዚንገረና፡ ብደርቂ ይኹን ብዕልቕልቕ፡ እግዚአብሔር ብዝናም ዚቐጽዓና ብሰሪ ሓጢኣትና’ዩ። እቲ ኣብ ዘመን ኖህ ዝተኸስተ፡ ህያው ነፍሲ ንዘበለ ዅሉ ዘጽነተ ናይ ማይ ኣይሂ ዕልቕልቕ ቀዳማይ ኣብነት ናይ’ቲ እግዚአብሔር ብዝናም ዝፈጸሞ ቕጽዓት’ዩ። ብሰሪ ስእነት ዝናም ብዝተኸስተ ደርቅን ጥምየትን ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዓለም ዝወረደ ህልቂት ድማ መጽሓፍ ቅዱስን ሰነዳት ታሪኽ ዓለምናን ዜረጋግጾ ሓቂ’ዩ፡ ሃገርናን ከባቢኣን ደርቂ ዜጥቅዖ ዞባ ስለ ዝዀነ፡ ክብደት ሓደጋኡ ሓለፋና ኺፈልጦ ዚኽእል ካልእ ህዝቢ የልቦን። ዜስተውዕሎ ዝሰኣነ ሓቂ እንተ’ልዩ ግና፡ ዓይነት ህይወትና ምስ ዓይነት ክሊማን ቐጥታዊ ርክብ ከም ዘለዎ ጥራሕ’ዩ። ነዚ ዚመስል ኣበሃህላታት ክንሰምዕ ከሎና “እቶም ዝናም ዘየቋርጾም ህዝብታትከ፡ ካባና ዚሓይሽ ህይወት ኣለዎም ማለት ድዩ፧” ዚብል ኣጉል ሕቶ ኼልዕለልና ይኽእል’ዩ። እግዚአብሔር ንህዝብታት ብንስሓ ናብኡ ኺመልስ ዚጥቀመሎም ዓይነታት መቕጻዕቲ ብዙሓት’ዮም። ብደርቂ እንተ ዘይቀጽዐ፡ ብዕልቕልቕ ይቐጽዕ። ብህቦብላ፡ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብውግእ፡ ብለበዳዊ ሕማም ወዘተ’ውን ይቐጽዕ። ስለ’ዚ ንናይ ክረምትን ቀውዕን ወቕትታትና ኢድና ኣጣሚርና ኽንጽበዮም ዘይኰነ፡ ነቲ ጸጽቡቑ ዘበለ ዅሉ ዜኽልኣና ሓጥእ ኣካይዳና ኣቕኒዕና፡ እግዚአብሔር መጢኑ ንፍረን በረኸትን ዚኸውን ክራማትን ቀውዕን ወቕትታት ኪሰርዓልና፡ ካብ ነጣሪ በረድን ካብ ነፍሪ በላዕተኛን ኬድሕነና ምጽላይ፡ ናይ ሓደ ኣብ ልኡላዊኢ ስልጣን ናይ እግዚአብሔር ዕዙዝ እምነትን ኣኽብሮትን ዘለዎ ክርስትያን ህዝብን ውልቀ ሰብን ተግባር’ዩ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና፡ ኣብ’ዚ ዘመን ክረምቲ ዝተላዕለሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ’ዩ ነዚ ናይ ዝናም ኣርእስቲ ምስ ምስጢረ ቀንዲልን ምስ ምስጢረ ንስሓን ኣዛሚዱ ዝገለጾ። ጥዕናን ሕድገት ሓጢኣትን ዝናምን ዚርከብ፡ ብጸሎት ንእግዚአብሔር ብምልማን ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። ዝተጸለየ ዘበለ ዅሉ ጸሎት ግን ኣይስማዕን፡ መልሲ ኸኣ ኣይረክብን’ዩ፡ ናይ ጸሎት እንኮ ዕንቅፋት ከኣ ሓጢኣት’ዩ። እግዚአብሔር ንጸሎት ሓጥኣን ይፍንፍኖ’ምበር ኣይቅበሎን’ዩ።
“መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ እግዚአብሔር ፍንፉን’ዩ፡ ጸሎት ጻድቃን ግን ባህ የብሎ።......እግዚአብሔር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም’ዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግን ይሰምዖ።” ምሳ 15፡8,29።
እቶም ረሲኣን ጻድቃን ኪዀኑ ዚኽእሉ ድማ ብሕድገት ሓጢኣት’ዩ። ሕድገት ሓጢኣት ዚርከብ ድማ ብንስሓ ጥራሕ’ዩ። በቲ ቃል እግዚአብሔር ዚእዝዞ መሰረት፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዝዀነ ኻልእ ምስጢር ቅድሚ ምፍጻማ ምስጢረ ንስሓ እትፍጽመሉ ጸሎተ ንስሓ እትጽልየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ንኣምላኽን ንሰብን ኣዝዩ ዜረሓሕቕን ዘይስገር ጋግ ዚፈጥርን ሓጢኣት’ዩ።
“እንሆ፡ ኢድ እግዚአብሔር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፡ (ጸሎት) ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን’ዩ። ግናኸ ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን፡ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት (ይዛረብ) ኣሎ’ሞ፡ ንኣኻትኩም ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዚፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም’ዩ። ከይሰምዓኩም፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም’ዩ። ብጽድቂ ዚጠርዕ ሓደ’ኳ የልቦን። ብሓቂ ዚምጕት ሓደ’ኳ የልቦን። ኣብ ከንቱነት ይውከሉ፡ ሓሶት ከኣ ይዛረቡ፡ እከይ ይጠንሱ፡ ሓጢኣት’ውን ይወልዱ ኣለዉ።” ኢሳ 59፡1-4።
ስለ’ዚ ጸሎትና ኺስምዓልናን ኪምለሰልናን ንደልይ እንተ ዄንና፡ ቅድም ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚፈልየና ሓጢኣት ብቕኑዕ ልባዊ ንስሓ ኣርሒቕና ብጽድቂ ኽንትክኦ ይግብኣና። እግዚአብሔር ከኣ ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሙን ኣነጺሩን ገሊጹልና’ዩ።
“ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ (ክትጽልዩ) ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም፧ ...... ኣእዳውኩም (ንጸሎት) ምስ እትዝርግሑ፡ ነዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ’ኳ እንተ ኣብዛሕኩም ኣይሰምዕን’የ (ምኽንያቱ) ኣእዳውኩም ደም መሊአን’የን። (ካብ ሓጢኣትኩም) ተሓጸቡ፡ ንጽሁ፡ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሃሩ .....።” ኢሳ 1፡12,15-17።
ስለ’ዚ እቲ ኻብ ኣምላኽ ሰናይ ኪቕበል ዚደልይ ኵሉ ሰብ፡ ቅድም ብዛዕባ ሓጢኣቱ ምስ ኣምላኽ ብንስሓ ኪዕረቕ ናይ ግድነት’ዩ። ምኽንያቱ ጸሎት ጻድቕ ጥራሕ’ዩ ዜስልጥ። ወዲ ሰብ ኣበሳ ዘይበትከሉ ድኹም ፍጥረት ስለ ዝዀነ፡ ጽድቅን ድሕነትን ናይ ወዲሰብ ብሕድገት ሓጢኣት ጥራሕ’ዩ (ኤፌ 1፡7 ፣ ቈሎ 1፡14 ካ.ት)። ስለ’ዚ ብዛዕባ ጥዕና፡ ብዛዕባ ዝናም ኰነ ብዛዕባ ዝዀነ ኻልእ ጕዳይ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ከሎና፡ ኣቐዲምና ብንስሓ ሕድገት ሓጢኣት ምርካብና ኸነረጋግጽ ይግባእ።
ሕድገት ሓጢኣት ግን ብኸመይ ድዩ ዚርከብ፧ ንሓድሕድና ብዛዕባ ሓጢኣትና ስለ ዝተዘራረብናን ስለ ዝተኣመንናን ሕድገት ሓጢኣት ንረክብ ኢና ማለት ድዩ፧ ንስሓ ማለት ሓጢኣትካ ተኣሚንካን ተናዚዝካን ካብ ኣምላኽ ሕድገት ሓጢኣት ምሕታት ማለት’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ምስጢረ ንስሓ ቤተ ክርስትያን ብዝቐብኣቶ ካህን’ዩ ዚፍጸም። ኣገልግሎት ክህነት፡ ናይ ዕርቂ ኣገልግሎት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ብምኽንያት ሓጢኣቱ ምስ እግዚአብሔር ዝተባእሰ ክርስትያን፡ ምስ እግዚአብሔር ብንስሓ ኺዕረቕ ምስ ዚውስን፡ ናብ ካህን ልዑል ኣምላኽ ቀሪቡ፡ ምስጢረ ንስሓ ይፍጽም። ንስሓን ድሕነትን ዚርከብ ብመስዋእትን ደምን ናይ ክርስቶስ’ዩ። ክርስቶስ ጐይታና፡ ኵሉ ግብሪ ድሕነት ፈጺሙ ናብ የማን ኣቦኡ ቅድሚ ምዕራጉ ግን፡ ነቶም ኣብ ክንድኡ ኰይኖም ዜገልግሉ ቅዱሳን ሃዋርያት ሓደገልና። ንቕዱሳን ሃዋርያት ዝተዋህበ ኣገልግሎት ድማ ኣገልግሎት ዕርቂ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ኣምላኽ በቲ ወዱ (ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ገይሩ (ምስ ሰብ) ሰላም ገበረ። ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ኸኣ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ፡ ንስኻትኩም ቀደም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕኩም፡ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቱ ነበርኩም። (ኣምላኽ) ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ብሞት ስጋዊ ሰብነት (ክርስቶስ) ወዱ ገይሩ፡ (ምስ ገዛእ ርእሱ) ዓረቐኩም።” ቈሎ 1፡20-22 ካ.ት።
“ስለ’ዚ ሓደ’ኳ ብክርስቶስ እንተ’ልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት’ዩ። እቲ ብሉይ ሓሊፉ፡ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኰይኑ’ዩ። እዚ ዅሉ’ውን ካብ’ቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓረቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂ’ውን ዝሃበና ኣምላኽ’ዩ። ማለት፡ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ’ሞ፡ በደሎም ኣይሓዘሎምን፡ ኣባና’ውን ቃል ዕርቂ ኣንበረ። ስለ’ዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና’ሞ፡ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ...... “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ” እናበልና፡ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣለና።” 2ቈረ 5፡17-21።
ስለ’ዚ እቲ ሃዋርያዊ ናይ ክህነት ኣገልግሎት፡ ነቲ ብደም ክርስቶስ ዝተፈጸመ ዕርቂ፡ ኣብ’ቲ ዚንሳሕ ሰብ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንካ ምፍጻም’ዩ። እዚ ምህሮ’ዚ ካብ ምስጢረ ክህነት ናይ’ቲ መሰረተ እምነትና ዝዀነ መጽሓፍ ፍኖተ ህይወት ብሰፊሑ እንመሃሮ’ዩ።
መሪሕ ጥቕስና ደኣ ንምንታይ’ዩ ሓጢኣት ሓድሕድና ኽንእመን ዚእዝዘና፧ ንሓድሕድና ሓጢኣትና ክንእመን ከለና ምስጢረ ንስሓ ፈጺምና ኣለና ማለቱ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ምስጢረ ንስሓ እቲ ካህን ብስልጣን መንፈስ ቅዱስ ብደም ክርስቶስ ዚፍጽሞ ምስጢር ምዃኑ ኣቐዲምና ገሊጽና ኢና። እቲ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዚፍጸም ተኣምኖ ናይ ሓጢኣት፡ ኣካልን ቀዳማይ ክፋልን ናይ’ቲ ምስጢር ምዃኑ ግን ዘይከሓድ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ዳርጋ ዅሉ ሓጢኣትና ምስ ሰብ ኴንናን ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ቅድሚ ሰብ ኴንናን እንፍጽሞ’ዩ። እቶም ንኻልእ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሰብ ዘየጠቓልሉ ኣበሳታት፡ መብዛሕትኦም እቶም ብደረጃ ሓሳብ ጥራሕ ዚፍጸሙ’ዮም። ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕምየት፡ ሻራ፡ ሓሶት፡ ምንዝርና፡ ስሰዐ ወዘተ ምስ ሰብን ኣብ ልዕሊ ሰብን ዚፍጸሙ ኣበሳታት’ዮም። ስለ’ዚ እቲ ኺንሳሕ ዝወሰነ ሰብ፡ ቅድም ነቲ ዝበደሎ ሰብ ከይዱ ሓጢኣቱ ተኣሚኑ ኸይተዓርቀ፡ ንስሓ ኺፍጽምን ኪዕረቕን ኣይክእልን’ዩ። ጐይታና ባዕሉ ዀነ፡ እቲ ኣብ ክንዲ ጐይታ ዚቐውም ካህን፡ ነቲ ኺንሳሕ ዚመጽእ ሰብ፡ መጀመርታ ምስ’ቲ ተበዳሊ ወይ ምስ’ቲ መባድልቱ ኸይዱ ጕዳዩ ኺውድእ ወይ ኪዕረቕ’ዩ ዚነግሮ። ጐይታና ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ’ቲ ሽዱሽተ ሕጋጋት ወንጌል ዝገለጸሉ ናይ ከረን ስብከቱ ኣነጺሩን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዑን ገሊጽዎ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ሽድሽተ ወንጌል” ኢላ እትሰምየን፡ እተን ጐይታና ኣብ ማቴ 5፡21-48 “ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ” እናበለ ገሊጽወን ዘሎ ፍሉይነት ሓድሽ ኪዳን ዘግሃደ ሕጋጋት’የን።
“እምበኣርከ ንመባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሓዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ (ዘከርካ)፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ ቅድም ምስ’ቲ ሓውካ ተዓረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ገና ኣብ መገዲ ኸለኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዓረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ እቲ ፈራዲ’ውን ናብ ጊልያኡ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣትው። እቲ ናይ መወዳእታ (ዕዳ ሓጢኣትካ) ኽሳዕ ትኣትው፡ እታ ናይ መወዳእታ (ዕዳ ሓጢኣትካ) ኽሳዕ እትፈድይ ካብኣ ኸም ዘይትወጽእ እብለካ ኣለኹ።” ማቴ 5፡23-26።
ካብ’ዚ ናይ ጐይታና ኣባህላ ኸም ንርድኦ’ምበኣር፡ መስርሕ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ኣብ መንጎ ሓድሕድና ሓጢኣትና ብምእማን’ዩ ዚጅምር። “መባእ” ዚብሎ ዘሎ ነዚ ንሕና ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስትያን እነውድቖ መባእ ዚምልከት ዘይኰነስ፡ ኣብ መሰውኢ ከም መስዋእቲ ዚቐርብ ዓብይ ነገር’ዩ። እቲ “ፈራዲ፡ ጊልያ፡ ቤትማእሰርቲ” ዚብሎ ዘሎ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ መንፈሳውን ሰማያውን ፍርዲ’ምበር፡ ብዛዕባ ምድራዊ ጕዳያት ኣይኰነን። ስለ’ዚ ጐይታና መስዋእቲ ሒዝካ መጺእካ ሓጢኣትካ ተኣሚንካ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ቅድሚ ምሕታትካ፡ ኣቐዲምካ ነቲ ዘሕዘንካዮ ሓውኻ ሓጢኣትካን በደልካን ተኣሚንካ ክትዕረቕ ከም ዚግባእ ብኣጽንዖት ኣስሚሩልና ኣሎ።
ሓጢኣትና ቅድሚ ንኣምላኽ ንሰብ ተኣሚንናሉ ማለት፡ ንሰብ ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ኣዕቢናዮ ማለት ኣይኰነን። እቲ ኣብ መወዳእታ ዓለም ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ዚፈርዶ፡ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ባዕሉ’ዩ (ማቴ 16፡27)። ዕዳ ሓጢኣትና ኽንፈድይ ናብ’ቲ ዘለኣለማዊ ናይ ገሃነም ቤት ማእሰርቲ ዜእትወና’ውን ንሱ’ዩ (ማቴ 22፡13)። ስለ’ዚ ባዕሉ’ቲ ፈራዲ፡ ቅድሚ ናብ ኣምላኽ ቀሪብኩም ዕርቅን ምሕረትን ምሕታትኩም፡ ቅድም ናብ ሰብ ቀሪብኩም ዕርቅን ምሕረትን ምሕታትኩም፡ ቅድም ናብ ሰብ ቀሪብኩም ሓጢኣትኩምን በደልኩምን ተኣሚንኩም ዕርቂ ግበሩ” ኢሉ እንተ ኣዚዙና፡ ክንእዘዞን ክንትግብሮን ጥራሕ’ዩ ዚግባእ። ምኽንያቱ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ ኻልእ መዋጽኦ ኸም ዘይብልና ብዘየማትእ መገዲ ኣነጺሩልና’ዩ፡
እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግን፡ ነዚ ክርስቶሳ’ውን ሃዋርያውን ትእዛዝ’ዚ ፈጺምና ዘይንትግብሮ ምዃንና’ዩ። ይትረፍ ንሓጢኣትና ኣብ ቅድሚ ኸማና ሓጥእ ዝዀነ ሰብ፡ ዋላ ብዓብዩ ነቲ ምስጢረ ንስሓ’ውን ንፍጽሞ የለናን። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሓድሕድና ዝፈጸምናዮ በደላት ንእመነሉ ስለ ዘየለና፡ ዋላ ንስሓ እንተኣተና’ውን ትርጉምን ተቐባልነትን ኣይህልዎን’ዩ። ነዚ ናይ ዓያሱ ቅዲ ህይወት ክንመርጽ ዚገብረና ዘሎ ድማ ትዕቢትናን ትርሪ ልብናን’ዩ። እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኣብ’ታ ይግባይ ዘይብላ መጋባእያኡ ዀይኑ፡ ኣብ’ታ ጽድቅን ፍትሕን ዝመሰረታ መንበር ፍርዱ ተቐሚጡ ብኸመይን እንታይ ኢሉን ከም ዚፈርድ ኣግሂዱ ነጊሩና’ዩ።
ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝፈጸምናዮ በደላት ጥራሕ ዲና ኽንእመን ወይስ ንኻልእ ሓጢኣትና’ውን ኣብ ቅድሚ ሰባት ክንእመነሉ ይግባእ’ዩ፧ ብዘይካ’ቲ ንሕናን ኣምላኽን ጥራሕ እንፈልጦ ሓጢኣት፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተረፈ ዅሉ ሓጢኣት ክንእመን ግቡእ’ዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ዝዀንናዮን ዘይኰንናዮን፡ ብዛዕባ ዝገበርናዮን ዘይገበርናዮን፡ ብዛዕባ ዝበልናዮን ዘይበልናዮን ናይ ሓሶት ዕላል ምስ እነዕልል፡ ከቢድን ዘለኣለማዊ ሞት ዜፍርድን ሓጢኣት’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ሓጢኣት’ዚ ሓድገት ሓጢኣት ዜውሕስ ንስሓ ኽንኣትው እንተ ዄንና፡ ነቲ ሓሶት ዝመገብናዮ ሰብ፡ “እቲ ኸም’ዚ ዘዕለልኩኻ ኵሉ ዘረባ፡ ሓሶት’ዩ። እቲ ሓቂ ግና እዚ’ዩ።” ክንብሎ ግቡእ’ዩ። ብዛዕባ ሕምየትን ካልእ ተመሳሳሊ ሓጢኣት’ውን ከምኡ ክንገብር ይግብኣና። ኣብ ቅድምን ኣብ ልዕልን ሰብ ክንዛረቦን ክንፍጽሞን ዘየሕፈረናን ዘይከበደናን፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክንእመነሉ ኪኸብደና ኣይግባእን’ዩ። መሪሕ ጥቕስና፡ ምእንቲ ኽንፍወስ፡ ሓጢኣት ሓድሕድና ኽንእመን ናይ ግድን ምዃኑ ኣብሪሁልና’ዩ። እቲ ብቐዳምነት ኪፍወስ ዚግብኦ መንፈሳዊ ሕማም ከኣ ሓጢኣት’ዩ።
ምስ መን ኢና ሓጢኣት ሓድሕድና እንእመን፧ ምስ ዝረኸብናዮ ሰብ ሓጢኣትና ኸነዘንትው ኸም ዘይግብኣና ርዱእ’ዩ። “ነዚኦም ተኣመነሎም፡ ነቲኦም ግን ኣይትተኣመን” ዚብል መምርሒ ኺወሃብ ኣይከኣልን’ዩ። ነቶም ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ቅድሚኦምን ዝሓጣእናሎም ሰባት ግና ክንእመነሎም ግቡእ’ዩ። በቲ ተግባር’ዚ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዓብይ ኣርኣያና’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ዝፈጸሞ ሓጢኣት፡ ኣብ’ቲ ንፍርዲ ዝቐረበሉ መጋባእያታት ብወግዒ ተኣሚኑሉ’ዩ (ግብ 22፡3-5 ፣ ግብ 26፡9-11)። ነቶም ብወንጌል ዝወለዶም ምእመናን ኣብያተ ክርስትያን’ውን ሓጢኣቱ ይእመነሎም ነበረ (1ቈረ 15፡9 ፣ ገላ 1፡13,14)። ነቲ ናይ መንፈስ ወዱ ጢሞቴዎስ’ውን፥
“ሽሕ’ኳ ቐደም ስም ጐይታ ዝጸርፍን ዘሳድድን ዝገፍዕን እንተ ነበርኩ፡ ብዘይ ፍልጠትን ብዘይ እምነትን ስለ ዝገበርክዎ ምሕረት ረኸብኩ.... ‘ክርስቶስ ኢየሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን መጸ’ ዚብል ቃል እሙን’ዩ፡ ብምሉኡ ኽንቅበሎ ዚግብኣና ቓል’ዩ። ካብ ኩሎም ሓጥኣን ዝገደደ ኸኣ ኣነ’የ።” ብምባል ተኣሚኑሉ ኣሎ (1ጢሞ 1፡13,15)። ነስተውዕል!! “ነይረ” ዘይኰነስ “እየ” ከም ዝበለ ነቕልበሉ። ስለ’ዚ ብዛዕባ ሕሉፍ ጥራሕ ዘይኰነ ብዛዕባ ናይ ሕጂ’ውን’ዩ ዚእመን ዘሎ። ስለ’ዚ ንኣርኣያን ንትምህርትን ኢሉ ንሓጢኣቱ ኣብ ቅድሚ ፈተውቱን ጸላእቱን ተኣመነሉ። ኣቦና እዮብ’ውን ብኣምላኽ “ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ” ተባሂሉ ተመስኪሩሉ ኼብቅዕ፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ኣዕሩኽቱ፡
“ኣነ ጻድቕ እንተ ዝኸውን’ኳ፡ ኣፈይ “በደለኛ ኢኻ” ኢሉ ምፈረደኒ፡ ፍጹም እንተ ዝኸውን ከኣ፡ ሕሱም ምገበረኒ ነይሩ።” ብምባል፡ ብልሳኑ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ኸም ዚእመን ገሊጹ ኣሎ (እዮ 9፡20)። ስለ’ዚ ሓጢኣት ሓድሕድካ ምእማን ከም ሓደ ነውርን ዕሽነትን ጌርና ኽንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። ቃል እግዚአብሔር ዚእዝዞን፡ ቅዱሳን ኣቦታትና ብግብሪ ዘርኣዩና ጥበብ ጻድቃን ምዃኑን ኣስተውዒልና፡ ክንስዕቦን ክንትግብሮን ዚግብኣና’ዩ።
ንምንታይ’ዩ ሓጢኣት ሓድሕድካ ምእማን ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዚኸብደናን ዚመርረናን፧ ግብዝነትን ትዕቢትን’ምበር ካልእ ኣይኰነን። ኵላትና ሓጥኣን ምዃንና ጽቡቕ ጌርና ንፋለጥ ክነስናስ፡ “ሓጥእ’የ፡ እዝን እትን ሓጢኣት ፈጺመ’የ” ምባል ግን ሓለፋ ዕረ ይመርረና። ንርእሱ እዚ ስምዒትናን ተግባርናን’ዚ ዝኸፍአ ናይ ግብዝናን ትዕቢትን ሓጢኣት’ዩ። ብተኣምኖኻ ፈውሲ ኣብ ክንዲ ትጐናጸፍ፡ ሓጢኣትካ ንምሕባእ’ሞ ጻድቕን ንጹህን መሲልካ ንኽትረኣይ ካልእ ሓጢኣት ምውሳኽ፡ ማዕረ ኽንደይ ድያብሎስ ነእምሮናን ኣተሓሳስባናን ኣጸልሚትዎ ኸም ዘሎ ዜግህድ’ዩ። ስለ’ዚ ናይ ብሓቂ ክርስትያን ህዝቢ እንተ ዄንና፡ ነዚ ክርስቶስ’ውን ሃዋርያውን ትእዛዝ’ዚ ብቅንዕናን ብሓጐስን ክንፍጽሞ’ዩ ዚግባእ። ሓጢኣት ሓድሕድካ ምእማን መለለዪና ኽሳዕ ዚኸውን ከነዘውትሮ ዚግባኣና ቅዱስ ልማድ’ዩ። ይትረፍ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ’ውን ብዛዕባ ቅንዕናናን መንፈሳውነትናን ጽቡቕ ምስክርነት ዜጐናጽፈና፡ ናይ ቅድስና ባህርይ’ዩ። እቲ ዝርርብ ቅዱሳኑ ብምስማዕ ዚሕጐስ ኣምላኽ ድማ፡ ከም’ቲ ነብዪ ሚልክያስ፦
“ሽዑ እቶም ንእግዚአብሔር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፣ እግዚአብሔር ከኣ ጽን በለ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዚፍርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሓስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። በታ ኣነ ዚገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ’ዮም። ኣነ ኸኣ፡ ከም’ቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፣ ክንሕፎም’የ። ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፣ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።” ዝብሎ፡ በቲ ሓጢኣትና ንምእማን እንገብሮ ቅዱስ ዝርርብ ኣዝዩ ኺሕጐስን ኪጻምወናን’ዩ (ሚል 3፡16-18)። ጐይታና’ውን ሓጢኣቶም ብምሕባእ ኣብ ቅድሚ ሰብ ጻድቃን መሲሎም ኪረኣዩ ዚፍትኑ፦
“እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚረኣይ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን’ዩ’ሞ፡ ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ’ዩ።...... ንስኻትኩም ንሰብ ብላዕሊ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ። እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመጽን ምሉእ’ዩ።” ብምባል ቀሊዕዎም’ዩ (ሉቃ 16፡15 ፣ ማቴ 23፡28)። ስለ’ዚ ርእስና ንምርምር’ሞ፡ ብመንጽር’ዚ ሃዋርያዊ ትእዛዝ’ዚ ኸመይ ከም ዘለና ንፍለጥ። ሓጢኣት ዚዀነና ዘረባ ወይ ከኣ ምሕረት ዜውህበና ናይ ተኣምኖን ጽድቅን ዘረባ ነብዝሕ ምህላውና ኣርጊጽና ንፍለጥ። ንልሳንና ብተኣምኖን ብንስሓን ንቐድሶ። ከም’ቶም ንሓጢኣቶም ብሓበን ዜውርይዎን ዜዕፍርዎን ስዶማውያን ዘይኰነ፡ ከም’ቶም ብናይ ቅድስና መንፈስ ንሓጢኣቶም ዚእመንዎ ጻድቃን ንኹን። ንኽንፍጽሞ ዘየሕነኸና ሓጢኣት፡ ንኽንእመኖ ብምሕናኽ ንግብዝነትና ኣይነዕብዮ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሓምለ 2, 2015 ግዕዝ (9 ሓምለ 2023 ፈ [መበል 44 ሰንበት: ቊ.፶፪/52, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፵፮(፻፵፯)፡፰ “ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና። ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር። ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር።” “ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፡ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፡ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፡” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 6፡7-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
ያእ 5፡12-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 27፡6-15 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 8፡1-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘኤጲፋንዮስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ