“ሕጂ ድማ (ኢየሱስ) ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቀበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን ‘ትሰምዕዎን ዘለኹም (መንፈስ ቅዱስ) ንሱ (ኢየሱስ) ኣፍሰሶ።” ግብ 2፡33
እዚ ሰንበት’ዚ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሻምናይ፡ ናይ ዘመነ ዕርገት ድማ ካልኣይ ሰንበት’ዩ። በዓለ መንፈስ ቅዱስ ድማ’ዩ። ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ድሕሪ 50 መዓልታት ድሕሪ በዓለ ዕርገት ድማ ድሕሪ 10 መዓልታት ዚበዓል በዓል’ዩ። “በዓለ ሓምሳ፡ በዓለ ጴንጠቆስጠን፡ በዓለ ጰራቅሊጦስ” ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። ክልቲኡ ቓላት ካብ ቋንቋ ግሪኽ (ጽርኢ) ዝበቘለ ዀይኑ፡ ጴንጠቅስጠ፡ “መበል 50” ማለት ኪኸውን ከሎ፡ ጰራቅሊጦስ ማለት ድማ “ኣብ ጐንኻ ዚቐውም፡ ዚረድእ፡ ዜጸናንዕ” ማለት’ዩ። ካብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ጀሚሩ ዘሎ ሓደ ሰሙን (ክሳዕ ታሽዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ-ትንሳኤ) “ዘመነ ጰራቅሊጦስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብዕምቈት ክንመሃረሉን ከነስተንትነሉ፡ ከነመስግነሉን ዝተሰርዓልና ዘመን ድማ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብስፍሓትን ብዕምቈትን እተስተምህረሉ ትምህርቲ፡ “ምስጢረ ሜሮን” ይብሃል። ብዛዕባ ኣምላኽነቱ ድማ ኣብ “ምስጢረ ስላሴ (ምሥጢረ-ሥላሴ)” ኢና ‘ንመሃሮ።
“መንፈስ ቅዱስ” ዚብል ስም፡ ናይ’ቲ ኻብ ጥንቲ (ካብ ዘለኣለም) ምስ እግዚአብሔር ኣቦን ምስ እግዚአብሔር ወልድን ዝነበረን ናይ ቅድስት ስላሴ ሳልሳይ ኣካል ዝዀነን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ናይ ህላወ ስሙ’ዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ ዝሰረጸ (ዝወጸ)፡ ብስም ክርስቶስ ዝተላእከ ኣካል ቅድስት ስላሴ’ዩ።”
“እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ’ዩ።”
“እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኹም ዘበለ (ዅሉ’ውን) ኬዘክረኩም’ዩ።” ዮሃ 15፡26፣ 14፡26
እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚአብሔር ኣቦን ካብ እግዚአብሔር ወልድን ዘይንእስ ፍጹም ኣምላኽ’ዩ። ብህላወን ብኽብርን ብስልጣንን ማዕረ’ዩ።
ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን በዓለ ፋሲካን በዓለ ሓምሳን፡ ኣይሁድ ተጠንቂቖም ዜብዕልዎ በዓላት’ዩ ዝነበረ። እዚ ኸኣ፡ እግዚአብሔር ብኣጽንዖት ዝኣዘዞም ስለ ዝዀነ’ዩ (ዘሌ 23’1-21፣ ዘዳ 16፡1-12)። ናይ ጐይታና በዓለ ትንሳኤ ምስ’ቲ ናይ ኣይሁድ በዓለ ፋሲካ፡ እቲ “በዓል ሓምሳ፡ በዓል ሰሙናት፡ በዓል ሰዊት” ናይ ኣይሁድ ድማ፡ ምስ በዓለ ጰራቅሊጦስ (በዓለ መንፈስ ቅዱስ) ብትኽክል ኣብ ሓደ መዓልቲ’ዩ ውዒሉ። እዚ ምግጣም’ዚ ድማ፡ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን በዓላት ናይ’ቲ ብክርስቶስን ብመንፈስ ቅዱስን ዚፍጸም ዕዮ ትንቢታዊ ትእምርትን ጽላሎትን ዀይኑ የገልግል ከም ዝነበረ ዜመልክተና’ዩ። እቲ ናይ ኣይሁድ ፋሲካ፡ ንሞትን ትንሳኤን ናይ’ቲ እተሓርደ ቅዱስ ገንሸል-ኣምላኽ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጽላሎት ኰይኑ ኼገልግል ከሎ፡ እቲ ናይ ኣይሁድ በዓለ ሰዊት ከኣ ናይ’ቲ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ እንፈርዮ ፍረ-መንፈስ ጽላሎት’ዩ።
ንቅዱሳን ሃዋርያት ናይ ሞቱን ትንሳኤኡን ብቑዓትን ውጽኢታውያንን መሰኻኽር ዝገበሮም፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ካብ ጽንሰቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ትንሳኤኡ ዝተሳተፈን ዝሰርሐን ስለ ዝዀነ፡ ንርእሱ እቲ ዝዓበየ ምስክር’ዩ። ጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱን መላእኽቱን ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስክሩ ምዃኑ ተኣሚኖም’ዮም (ዮሃ 15፡26፣ ግብ 5፡32፣ 1ዮሃ 5፡7፣ ራእ 19፡10)። ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተመልኡ፡ ኣብ ጉዕዞ ቤተ ክርስትያን ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፍተ። እቲ ብሊቅነቱ ዚፍለጥ፡ ካብ ኣቦታት ቤተ ክርስትያን ሓደ ዝዀነ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ፡ “መንፈስ ቅዱስ” እንተ ዘይወሃባ ነይሩ፡ ህልውና ቤተ ክርስትያን ተዳኺሙን ተረሚሱን ምተረፈ ነይሩ። ስለ’ዚ በቲ ቕኑዕ ኣበሃህላ፡ እዛ ዕለት’ዚኣ (በዓለ ጰራቅሊጦስ) ናይ ቤተ ክርስትያን “ዕለተ-ልደት” ክትበሃል ይግባእ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ስለ’ዚ ብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ንበዓለ መንፈስ ቅዱስ “ኣደ ኵሉ በዓላት (እመቤት ኵሉ በዓላት)” ኢሎም ይሰምይዋ’ዮም። ካብ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ሓምለ 4 ዘሎ ጊዜ “ጾመ ሐዋርያት (ጾመ ሃዋርያት)” ይበሃል። እዚ ጾም’ዚ ቐዋሚ ቝጽሪ መዓልታት የብሉን። ሓድሓደ ጊዜ ካብ 40 መዓልታት ንላዕሊ ይነውሕ፡ ንሓንሳእ ከኣ ካብ 30 መዓልታት ዚሓጽረሉ እዋን ኣሎ። እቲ ጾም ዚሰዓረሉ ዕለት ግና ኵሉ ጊዜ ቀዋሚ’ዩ (ሓምለ 5)። ብመሰረት ትውፊት ቤተ ክርስትያንና ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተመልኡ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ንኣገልግሎት ቅድሚ ምውጻኦም፡ ካብ ግንቦት 26 ጀሚሮም ነርብዓ መዓልታት ከም ዝጾሙ ይእመን። ናይ ሎሚ ዓመት ጾመ ሃዋርያት ካብ ግንቦት 28 ክሳዕ ሓምለ 4 ዀይኑ፡ ናይ 37 መዓልታት ዘመነ ጾም’ዩ። ኣብ’ቲ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃነጽና ኸም ምዃንና መጠን፡ ኣብ’ቲ ናይ ጐይታናን ናይ ነብያትን ሃዋርያትን ቅዱስ ናይ ጾም ገድሊ ምእንቲ ኽንሓብር፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና 40 መዓልታት ናይ ጾመ ነብያት፡ 40 መዓልታት ናይ ጾመ-ኢየሱስ፡ 40 መዓልታት ድማ ናይ ጾመ-ሃዋርያት ዘመናት ሰሪዓትልና ትርከብ። በቲ ንሳቶም ብጾም ዝተጋደሉሉ ኣገባብ ብምጻም፡ ናይ’ቲ ዓወቶምን በረኸቶምን ተኻፈልቲ ምዃን ድማ ክርስትያናዊ ሓላፍነትናን ሓለፋናን’ዩ።
ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ንበዓል ጰራቅሊጦስ ብዚምልከት “ሳምኒት እሑድ ኵሉ ሥርዓቱ ከመ ትንሣኤ አብጽሕ”’ዩ ዚብል። ካብ በዓለ ትንሳኤ ኽሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ንዘሎ 50 መዓልታት’ውን “ከመ አሐቲ ዕለት (ከም ሓንቲ መዓልቲ)> ብምባል’ያ ትገልጾ። ከም መርኣያ ናይ’ዚ መግለጺ’ዚ ድማ ናይ ክልቲኡ በዓላት መዝሙርን ንባባትን ምስባክን ቅዳሴን ዋላ ሓንቲ ፍልልይ ዘይብሉ ሓደ ዓይነት’ዩ።
ቅዱስ ጴጥሮስ ንመንፈስ ቅዱስ ጐይታና ኸም ዘፍሰሶ ምዝራቡ እንታይ ንምግላጽ’ዩ፧ ከም ሳልሳይ ኣካል ቅድስቲ ስላሴን ከም ፍጹም ኣምላኽ መጠንን፡ ባዕሉ ኺወርድ ወይ ኪፈስስ ኣይምኸኣለንዶ፧ ነዚ መሪሕ ጥቕስና ብምስትውዓል እንተ መርሚርናዮ ምስጢረ ስላሴ ኻብ ዚገልጹ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ናይ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ስብከቱ ኼመሓላልፍ ከሎ፡ በቲ ሽዑ ንግሆ ብምልኣት ዝሓደሮ መንፈስ ቅዱስ’ምበር፡ ካብ ገዛእ ርእሱ ኣይነበረን። ናይ መንፈስ ቅዱስ ምውራድን ምግላጽን፡ ምስጢረ ስላሴ ብምልኣት ናይ ምግላጽ ዕላማ ዘለዎ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስቲ ድንግል ተወሊዱ ሰብ ብምዃኑ፡ ከም ካልኣይ ኣካል ስላሴ ተፈልጠን ተጋህደን። ዓለማትን ኵሉ ፍጥረትን ብእኡ ዝተፈጥሩ ጥንታዊ ኣምላኽ’ዩ። ከም ካልኣይ ኣካል ስላሴ ዝተፈልጠ ግን ብኣካለ ስጋ ኣብ ማእከልና ምስ ተጋህደ’ዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ ዝተገልጸ፡ ኣብ ብዙሓት ባሮት ኣምላኽ እናሓደረ ዚሰርሕ ዝነበረ’ዩ። እንተ ዀነ ብምልኣት ተጋሂዱ ኣብ ኵላቶም ብኽብሪ ኪወርድ ምስ ተራእየ ግን፡ እቲ ምራዱ ፍሉይ ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ኰነ። ምስ እግዚአብሔር ኣቦን ወልድን ዘለዎ ዝምድና ድማ ተጋህደ። ጐይታና ቅድሚ ዕርገቱ፦
“ስለ’ዚ ኺዱ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልው ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” ብምባል፡ ብዛዕባ ናይ መንፈስ ቅዱስ ናይ ስላሴ ኣካልነት ገሊጹ ነበረ (ማቴ 28፡19,20)። ብናቱ ድርኺት፡ ኣብ’ዛ ቤተ ክርስትያን ዝተወልደትላ ዕለት ኣብ ዝተሰብከት ቀዳመይቲ ስብከት፡ ምስጢረ ስላሴ ዚገልጽ መልእኽቲ ምትሕልላፉ፡ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽነቱን ናይ ስላሴ ኣካልነቱን ብግብሪ ዝተጋህደሉ ዕለት ኰነ። ኣብ መሪሕ ጥቕስና፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ነቲ “ተስፋ ኣቦ” ዝተባህለ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተቐበሎ፡ ንሱ ድማ ከም ዘፍሰሶ ተገሊጹልና ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ጸሎተ-ሃይማኖት (The Creed)
“ጐይታን መሕወዪን ብዝዀነ ካብ ኣብ (ኣቦ) ብዝሰረጸ መንፈስ ቅዱስን ንኣምን። ምስ ኣቦን ወልድን ንስግደሉን ነመስግኖን፡ ብነብያት ዝተናገረ’ዩ” ዚብል፡ ከምኡ’ውን ኣብ “ኣመክንዮ ዘሓዋርያት፦
“..... (ኢየሱስ) ናብ’ቲ ዝለኣኾ ኣቦኡ ናብ ሰማያት ዓረገ ኣብ የማን ሓይሊ (የማን ኣቦ) ተቐመጠ። ነቲ ኻብ (ኣቦ) ዝሰረጸ ንዓለም’ውን ዘድሓነ፡ ምስ ኣቦን ምስ ወልድን ህልዊ ዝዀነ ጰራቅሊጦስ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሰደደልና።” ዚብል ናይ እምነት መግለጺ መሰረቱ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብ ትምህርቱ ነዚ ምስጢር’ዚ ደጋጊሙ ይገልጾ ነበረ።
“እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ’ዩ። ..... እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኼምህረኩም ዝነገርኩኹም ዘበለ’ውን ኬዘክረኩም’ዩ። ..... ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዜሕሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣለኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን’ዩ’ሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰድደልኩም’የ። ..... ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም’ዩ።”ዮሃ 15፡26፣ 14፡14,26፣ 16፡7
“እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰድደልኩም’የ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ። ሉቃ 24፡49
ነዚ ጥቕስታትን መግለጺ እምነትን ምስ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ኣገናዚብና እንተ ርኢናዮ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ መልእኽቲ ኺርድኣና ይኽእል’ዩ። “ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ” ዚብል ቃል፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ጥራሕ ከም ዚሰርጽ (ከም ዝወጽእ) ኬመልክተና ኸሎ፡ እቲ “ንሱ ኣፍሰሶ ዚብል ቃል ድማ፡ ብስም ክርስቶስ ከም ዚመጽእ ዜመልክተና’ዩ። ክርስቶስ ድማ ነቶም ንእኡ ብምእማን ናቱ ዝዀኑ ጥራሕ’ዩ ዚህቦም። ንዘይእዘዝዎ ንዘይኣምንዎ ኺህቦም ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ቃል እግዚአብሔር’ውን ከምኡ’ዩ ዜረጋግጸልናን።
“ንሕና ድማ (ብዛዕባ’ዚ) ነገር’ዚ ምስክር ኢና። እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዚህቦም መንፈስ ቅዱስ’ውን ምስክር’ዩ።” ግብ 5፡32
“ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተ’ልዩስ፡ ብመንፈስ’ምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ (ናይ ክርስቶስ) ኣይኰነን።” ሮሜ 8፡9
“እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ፡ (ኣብ ክርስቶስ) ይነብር፡ (ክርስቶስ’ውን) ኣብኡ (ኣብ’ቲ ዚእዘዝ ሰብ) ይነብር። ንሱ ኣባና ከም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ (ንሱ) ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና። ..... ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም ‘ንነብር ንሱ’ውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና ‘ንፈልጥ።” 1ዮሃ 3፡24፣ 4፡13
ናይ’ዚ ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ኣገዳስነት’ምበኣር፡ ኣብ ኣካላት ስላሴ ዘሎ ሓድነታዊ ዝምድና ኣብ ርእሲ ምግላጹ፡ ክርስቶስ ድማ ኣብ’ቶም ናቱ ዝዀኑ ጥራሕ ከም ዜፍስሶ ዜመልክተና’ዩ። እቲ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሩሳሌም ኪመጹ ዝገበረ በዓል፡ ንዅሉ ናብ’ቲ በዓል ዝመጸ እስራኤላዊ ብማዕረ ዚምልከቶ’ዩ። እቲ ሽዑ ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ግን ብዘይካ ነቶም ዚኣምንዎን ዚእዘዝዎን ስቕ ኢሉ ንዅሉ ሰብ ከም ዘይህቦ ግብራዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ’ዩ። እቶም ስብከት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሰምዑ ሰባት በቲ ቓል ልቦም ምስ ተወግአ፡ ካብ’ቲ ጸጋ’ቲ ኽካፈሉ ስለ ዝደለዩ “ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር” ኢሎም ሓተቱ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ፡
“..... ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ተጠመቑ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስ’ውን ክትቅበሉ ኢኹም።” ብምባል መለሰሎም (ግብ 2፡37-39)።
ብክርስቶስ ንዝኣመነ ዅሉ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃብ ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተቐበልናን ብእኡ ስለ ዝመላእናን እንረኽቦ ረብሓ እንታይ’ዩ፧ ክርስትያን ማለት ኣብ ሰፈር ጸላእቱ ኸም ዚነብር ወተሃደር፡ ወይ ከኣ ኣብ ማእከል ተዃሉ ኸም ዚነብር ስቡሕ ገንሸል ማለት’ዩ። ማእለያ ዘይብሉ ፈተናን ዕንቅፋትን ኣብ ዝመልኣ ዓለም ኢና ንነብር ዘለና። ጐይታና ንቕዱሳን ሃዋርያቱ ኺልእኮም ከሎ፦
“እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተኻሉ እሰድደኩም ኣለኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ዅኑ።” ኢሉ መዓዶምን ኣዘዞምን (ማቴ 10፡16)። ነዚ ኻብ ማእከል ተዃሉ ብሰላምን ብዓወትን ዜውጽእ ጥበብን ገርህነትን’ዚ፡ መንፈስ ቅዱስ’ዩ ዜዕጥቐና’ምበር፡ ባዕላትና ኸነጥርዮን ክንጥቀመሉን ኣይከኣልን’ዩ። ዓለም፡ ብመንፈስ ቅዱስ’ምበር፡ ብሓይልን ብኽእለትን ናይ ሰብ ዘይትስገር ታኼላ/ሰልሚ’ያ። ስለ’ዚ ኣብ’ዛ መንፈሳዊ ውግእ እናተዋጋእና እንኸዳ ቀጣንን ነዋሕን መገዲ፡ መሕወዪ፡ መጸናንዒ፡ መሃሪ፡ መራሒ ወዘተ ዚዀነካ ደጋፊ ኣካል እንተ ዘይረኺብካ፡ ነታ መገዲ ይትረፍ ክትውድኣ ከተፋርቓ’ውን ኣይከኣልን’ዩ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ክትጐዓዝ ምምራጽ ማለት፡ ድራር ተዃሉን ድራር ናይ’ቲ ዓብዪ ገበል ዝተሰምየ ድያብሎስ ኴንካ ኽትተርፍ ምምራጽ ማለት’ዩ። ቃል እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ናይ ምቕባል ረብሓ እንታይ ምዃኑ ብዝርዝርን ብስፍሓትን’ዩ ዚገልጸልና። ዋላ ንዅሉ ተንቲንና ኽንገልጾ ጊዜናን ወረቐትናን ዘይፈቕደልና እንተ ዀነ፡ እንተ ወሓደ ነቶም ረብሓታት ክንዝርዝሮም ኢና። ምስጢረ ሜሮንን ካልእ ኣገደስቲ ትምህርታትን ክንመሃር ከለና ብዛዕባኡ ብስፍሓት ኽንመሃር ንኽእል ኢና።
1. ብዳግም ልደት ይወልደና፡ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኣብ ‘ውሽጥና ዀይኑ ይምስክረልና። ካብ ናይ መንፈሳዊ ዝኽትምና ስምዒት ኣናጊፉ፡ ንእግዚአብሔር “ኣባ፡ ኣቦ” ኢልና ኽንጽውዖ የብቅዓና (ዮሃ 3፡3,5፣ ቲቶ 3፡4,5፣ ሮሜ 8፡14-16፣ ዮሃ 14፡18)
2. ማሕተም ተስፋና ይዀነልና። ማሕተም፡ ሓቅነትን ርጕጽነትን’ዩ ዜጐናጽፍ። መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉ ሰብ ናይ’ቲ ተዳልዩ ዘሎ ተስፋ ወራሲ ምዃኑ ርጉጽነት የብሉን (ኤፌ 1፡13፣ 2ቈረ 1፡21,22)።
3. ዕርቡን ርስትና ይዀነልና። ዕርቡን ዝተኸፍለሉ ንብረት፡ ዋላ ኣብ ኢድካ እንተ ዘይኣተወ’ኳ ናትካ’ዩ። ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑን ዝተኣዘዝዎን ርስቲ መንግስተ ሰማያት ከም ዚወርሱ ንምርግጋጽ ብመንፈሱ ይመልኦም (ኤፌ 1፡14፣ 2ቈረ 1፡21,22)።
4. መምህር ኰይኑ ይምህረና። ስውርን ረቂቕን ምስጢራት ይገልጸልና (ነህ 9፡20፣ እዮ 32፡8፣ ዮሃ 14፡26፣ 16፡13፣ 1ዮሃ 2፡27)።
5. ነቲ ዝተመሃርናዮ የዘክረና፡ ናይ ወዲ ሰብ ዝኸበደ ፈተና ምርሳዕ’ዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ እቲ ጸላኢና ዲያብሎስ፡ ነቲ ኣብ ልብና ዝተዘራአ ቓል ስለ ዚምንጥሎ’ዩ። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ድያብሎስ ንኼረስዓና ዚተግህ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንኼዘክረና ይተግህ (ዮሃ 14፡26፣ ሉቃ 9፡44,45፣ 18፡31-34፣ ዮሃ 2፡22፣ 12፡16፣ ማቴ 13፡19፣ ማር 4፡14,15)፡
6. ይመርሓና። ምድራዊ ጕዕዞና ብዘይ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ፈጺምካ ኣይስገርን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ በየን ከም ‘ንኸይድ ‘እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ዚመርሓና መንፈስ ቅዱስ የድልየና። ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርሐ ሰብ ናብ ዓወትን ናብ ዕረፍትን ይበጽሕ’ዩ (ዮሃ 16፡13፣ ሮሜ 8፡14,15፣ ኢሳ 63፡11-14፣ መዝ 143፡10፣ ግብ 8፡29፣ 10፡19፣ 16፡6-10)።
7. ይድግፈና። ንሕና ደቂ ሰባት ሓጢኣት ንሓይልና በሊዑ ዘዳኸመና ፍጥረት ኢና። ንርኽሰትን ሓጢኣትን’ምበር፡ ንጽድቅን ቅድስናን ዚኸውን ዓቕሚ የብልናን። ስለ’ዚ ብዘይ ደጋፊ ኣካል። ኣብ ‘ንበጽሖ የብልናን። ሓይሊ ዚህበናን ሓይሊ ዝዀነልናን ከኣ መንፈስ ቅዱስ’ዩ (ሮሜ 8፡26፣ ሉቃ 24፡49፣ ግብ 1፡8፣ መሳ 14፡5,6፣ 15፡14፣ 16፡28-30)።
8. የጸናንዓና። እዚ ምድራዊ ህይወትና፡ ናብራ ውድቀትን ሓዘንን ዝዓብለሎ’ዩ። ምድሪ ሓጐስን ምጽንናዕን ኣይኰነን ብፍላይ ነቲ ንክርስቶስ ዚመስል ክርስትያን፡ እዛ ዓለም’ዚኣ ስቓይን ሓዘንን’ያ ‘ትቕልቦ። ስለ’ዚ ዜጸናንዕ መንፈሳ ቅዱስ ናይ ግድን የድልዮ። ምኽንያቱ ዋላ ኣብ መሪር መከራ ኸለኻ’ኳ ብምጽንናዕን ሓጐስን ዚመልእ ቅዱስ መንፈስ’ዩ (ዮሃ 14፡16,26፣ 2ቈረ 4፡8,9፣ 6፡8-10፣ ግብ 5፡41፣ 16፡22-25)።
9. ብዛዕባ ሓጢኣትና ንንስሓ ይረትዓና። ንስሓ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ኣብ ሓጢኣት ኣብ ዝወደቕናሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ መንፈስ ቅዱስ ንልብና እንተ ዘይረቲዕዎ፡ ናይ ንስሓ ዓቕሚ ኣይንረክብን ኢና። ብዓቕሚ ስጋና እንገብሮ ንስሓ፡ ጥበራ’ውን ሕድገት ሓጢኣት ዘየውሕስን’ዩ። ስለ’ዚ ኢና ኸም ቅዱስ ዳዊት “ብመንፈስካ ደግፈኒ፡ ቅዱስ መንፈስካ ኣይተግድፈኒ” ኢልና ኽንጽልይ ዚግብኣና (ዮሃ 16፡8-10፣ መዝ 51፡10-12፣ 2ሳሙ 24፡10፣ 1ዜና 21፡7,8፣ 1ሳሙ 24፡5,6)።
10. ፍረ-መንፈስ ክንፈርይ ይረድኣና። ፍረ መንፈስ፡ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ክንፈርዮ ኣይከኣልን’ዩ። ጐይታና፡ እቲ ኣብኡ ዘይጸንዐ ኪፈርይ ከም ዘይክእል ነጊሩና’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ኣብኡ ዘይጸንዐ ሰብ፡ መንፈስ ቅዱስ የብሉን። ስለ’ዚ እቲ ፍረ-መንፈስ ኬፍርይ ዚደልይ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዜኽእል መንፈስ ኪእዘዞ ይግባኣ (ገላ 5፡22፣ ዮሃ 15፡4,5፣ ፊል 1፡9-11፣ ቈሎ 1፡9,10)።
11. ውህበታት ጸጋ ይዕድለና፡ ብዘይ ውህበታት ጸጋ ምዕያይን ምንባርን ማለት፡ ብዘይ ብቑዕ መሳርሒ ብጥራይ ኢድካ ሰሪሕካ ኸተፍርይ ምፍታን’ዩ። እዚ ተስፋታት’ዚ ድማ ንዅሉ ህዝበ ክርስትያን ድማ’ምበር፡ ንኣገልገልቲ ጥራሕ ዝተዋህበ ተስፋ ኣይኰነን። እንተ ዀነ ብቕንዕና ንዘይለመነን ንዘይደለየን ግን ኣይወሃብን’ዩ። ስለ’ዚ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኰነ ብደረጃ ቤተ ክርስትያን እግዚአብሔር ከም’ቲ ነታ ቐዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ንኣገልገልትን ምእመናንን ብውህበታቱ ዘጸገዎም ገይሩ ኼጸግወና ዘየባትኽ ጸሎት ከነዘውትር ይግብኣና (ግብ 2፡1-4,37-39፣ 1ቈረ 12፡4-11፣ ሮሜ 12፡4-8፣ ኤፌ 4፡7፣ 1ጴጥ 4፡10,11)።
ናይ’ዚ ረብሓታት’ዚ ተጠቀምቲ ንኽንከውን፡ ብወገንና ኽንገብሮ ዚግብኣና እንታይ’ዩ፧ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሉ ኼብቅዕ በዚ ጸጋታት’ዚ ዘይጥቀም ሰብ ምዃን ይከኣልዶ፧ ከምኡ ኻብ ምዃን የድሕነና’ምበር፡ ይከኣል’ወ!! ልክዕ ነዚ ሓላፊ ገንዘብ ከም ዜባኽኖ ገይሩ፡ ንጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዜባኽን ሰብ ማእለያ የብሉን። ብቕንዕናን ብዕምቈትን ርእስና እንተ ንምርምር፡ መብዛሕትና ኣባኸንቲ ጸጋ ኼንና ኸም’ንርከብ ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። እቶም በቲ ኣብ ልዕሌና ዝተፈጸመ ምስጢረ ሜሮን፡ ኵላትና ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ ምዃንና እንፈልጥ’ኳ ቍጽርና ኣብ ግምት ከተእትዎ ኽሳዕ ዜጸግም፡ ኣዚና ውሑዳት ኢና። ነዚ ኸኣ በቲ ዘይምእዛዝና ኢና ነግህዶ ዘለና። እቲ በብእዋኑ ኣብ እዝንና ዚፈስስ ዘሎ ቓል ኣምላኽ፡ እቲ እነንብቦ ቅዱስ ጽሑፋት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተዘርበን፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን’ዩ። እቲ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ መቕደሱ ዝገበረና መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ነቲ ዝተገልጸልና ቓል ክንእዘዞ እናደረኸና፡ ብዛዕባ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ወቒሱ እናረትዓና ከሎ ምእዛዝ ዀነ ምንሳሕ ከም ዕረ ጢዒሙና ሕልናና ኣደንዚዝና ልብና ኣትሪርና ስቕ ንብል። አረ ገሌናስ፡ “ንብዓል ነጐዳ ሓዊ ደብሶ” ብዝዓይነቱ ናይ ህልኽ ኣካይዳ ነቲ ኣካይዳና ብዝኸፍአ መልክዕ ነበላሽዎ። እቲ ማሕደሩ ዝገበረና እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከኣ በዚ ነገር’ዚ ኣዝዩ ይጕህይ (ኤፌ 4፡30)። ብዛዕባ’ቲ ህልኸኛ ህዝቢ እስራኤል፡
“ኣብ ኵሉ ጸበባኦም ጸበቦ መልኣኽ ገጹ ድማ ኣድሓኖም፡ ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎም፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ጊዜ ሓንገሮምን ሓዘሎምን፡ ንሳቶም ግና ዓለው፡ ንቕዱስ መንፈሱ ኸኣ ኣጕሃዩ፡ ስለ’ዚ ጸላኢኦም ኰነ ባዕሉ’ውን ተዋግኦም።”
ከም እተባህለ፡ ብዛዕባና ከምኡ ኸይበሃል ክንጥንቀቕ ይግብኣና (ኢሳ 63፡9,10)። ንጉስ ሳኦል ብመንፈስ ቅዱስ ካልእ ሰብ ክሳዕ ምዃን ዝተለወጠ ሰብ ነበረ (1ሳሙ 10፡6)። ንሱ ግና ናይ ዘይምእዛዝ ምርጫ ኣልዒሉ፡ ነቲ ዘኽበሮ መንፈስ ቅዱስ ኬሕስርን ኬጕህይን መረጸ። ትዕግስቲ ኣምላኽ ምስ ተጸንቀቐ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ገዲፉዎ ወጸ’ሞ፡ ማሕደርን ግዳይን ናይ ርኹሳት መናፍስቲ ዀነ፡ ናብራኡ ድማ ናብ ናብራ-ስቓይ ተለወጠ (1ነገ 16፡14,15,23፣ 28፡5,6,15,16)። እቶም ንምድሓን ዝለበሙ ብልህታት ግና ነቲ መቕደሱ ኽሳዕ ምግባር ዘኽበሮም ቅዱስ መንፈስ፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብዘይኣትው ዘየቋርጽ ተኣዚዞ’ዮም ዜኽብርዎ። ቃል እግዚአብሔር ድማ “መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ” ኢሉ’ዩ ዜጠንቅቐና (1ተሰ 5፡19 ካ.ት)።
እምበኣር ኣብ’ዚ ክቡር በዓለ ጰራቅሊጦስን። ኣብ’ዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ናይ ዘመነ ጰራቅሊጦ ሰሙንን ምስ’ቲ ብምስጢረ ሜሮን ዝወለደና እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከመይ ከም ዘለና ርእስና ንመርምር። ነቲ ህያው መቕደሱ ኽሳዕ ምግባር ዘኽበረና መንፈስ ቅዱስ ነኽብሮን ብረብሓታቱ ንጥቀም ምህላውናን ነረጋግጽ። ነቲ ኼዕርፈና ዝተዋህበና መንፈስ፡ ከም እስራኤላውያን፡ ጸላእቱ ዄንና ንውግእ ኣይንዓድሞ። ማሕተም ውልድነትናን ዕርቡን ናይ ሰማያዊ ርስትናን ምዃኑ ኣስተውዒልና ንኣምላኽነቱ ብዚምጥን ኽብሪ ነኽብሮ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ግንቦት 27, 2015 ግዕዝ (4 ሰነ 2023 ፈ [መበል 39 ሰንበት: ቊ.፵፯/47, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።” “እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ’ያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡20-41 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-37 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 20፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ