“ገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። እቲ እሾኽ ድማ ዐበየ ሐነቖውን።” ማቴ 13፡7
እዚ ዕለት’ዚ ኻልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምትን፡ ናይ’ቲ “ዘርእ፡ ደመና፡ ጠል” ዝተሰምየ ንኡስ ክፍለ ዘመንን’ዩ። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሓምለ 3 ኽሳዕ ሓምለ 9 ዘሎ ዕለታት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ ነቲ “ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቶ” ዚብል ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኢና ንዝምር።
ትሕዝቶ ናይ’ዚ መዝሙር’ዚ ዀነ፡ ናይ’ቲ ምስ ዲያቆናትና ሓቢርና ዘዜምናዮ ምስባክ ድማ፡ እግዚአብሔር ብዝናም ንምድርና ኣለምሊሙ ንብቝልና ባሪኹ ኸም ዚምግበና ዜመልክት’ዩ። ብዓብዩ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ውን፡ ብዛዕባ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ዚገልጽ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ ትምህርትናን መሪሕ ጥቕስናን’ውን ካብ’ዚ ንባብ’ዚ ዝተወስደ’ዩ። ጐይታና ነዚ ምስላ’ዚ ንዘርኢ እኽሊ ኣመልኪቱ ደኣ ይዛረቦ’ምበር፡ ሓይልን ምስጢርን ናይ መልእኽቱ ግን ብዛዕባ “ዘርኢ ቃል እግዚአብሔር” ዚገልጽ’ዩ። ንዘርኢ እኽሊ ተቐቢላ እትፈርየሉ እዛ ግእዝቲ መሬት ክትከውን ከላ፡ ንዘርኢ ቃል እግዚአብሔር ተቐቢሉ ኪፈርየሉ ዚግባእ ድማ እቲ ዚሰምዕ ሰብ’ዩ። ብመንጽር’ዚ ሓቂ’ዚ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ዝገልጾ ግሩም ምስጢር ኣሎ። ንሱ ኸኣ፦ “ንሕና (ሃዋርያት) መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና’ሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።” ዚብል’ዩ (1ቈረ 3፡9)። ብርግጽ ድማ ካብ ሓመድ ምድሪ ዝተፈጠርና ስለ ዝዀንና፡ እቲ “ግራት” ዚብል ቃል ከም ዚግባእ ዚገልጸናን ዚምጥነናን ኣበሃህላ’ዩ። ህይወት ዘለዎ ሓመድ’ምበር፡ ካልእ ዋላ ሓንቲ ኣይኰንናን። ትንፋስና ወጺኣ ምስ ሞትና፡ እቲ ስጋና በስቢሱ ናብ’ታ መበቈላዊት ሓመዱ ኺምለስ ዚህወኸሉ ምኽንያት ከኣኣ ንሱ’ዩ። ሞት፡ ነቲ “ናብ’ታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ኻብ ረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ’ሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ።” ዚብል ፍርዲ ኣምላኽ ኬተግብር ዝተሰርዓልና ንዝዀነ ሰብ ዘይንሕፍ ማዕርነታዊ መስርሕ’ዩ (ዘፍ 3፡19)። መሬት ወይ ሓመድ ምዃንና፡ ዳርጋ ኵሉ ጊዜ ፈቲና ወይ ኰነ ኢልና እንርስዖ ሓቂ’ዩ። እዚ ምዝንጋዕ ወይ ምርሳዕ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ ነቲ ዝተፈጠርናሉ ዕላማን ተልእኾን ከም ዚግባእ ከይንትግብር ከቢድ ዕንቅፋት ዚዀነና ዘሎ። ተልእኾ ናይ ግራት፡ ነቲ ዚሓርሶን ዘርኢ ዚዘርኣሉን ዋናኡ ብዙሕ ፍረ ምሃብ’ዩ። እቲ ህይወት ዘይብሉ ግኡዝ ግራት ከይፈረየ እንተ ተረፈ፡ ዜስዕበሉ ተሓታትነትን ዘወርዶ ፍርድን የብሉን። እቲ ህያው ግራት ግን ሰፍ ዘይብል ከቢድ ተሓታትነት’ዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ ህያው ግራት፡ ዘርኢ ናይ ምቕባልን ዘይምቕባልን ካብኡ ሓሊፉ’ውን በቲ ዝተቐበሎ ዘርኢ ናይ ምፍራይን ናይ ዘይምፍራይን፡ ነጻን ልኡላውን ፍቓድ ኣለዎ። ንኣና ንህያዋን ግራውቲ፡ ካብ’ቲ ግኡዝ ግራውቲ ዚፈልየና ኸኣ ንሱ’ዩ’ምበር፡ ብመበቈልናን ፍጥረትናንሲ፡ ሓደን ማዕረን ኢና። ህያዋን ግራውቲ ስለ ዝዀንና፡ እቲ ህያውን ህያው ዚገብርን ቃል ኣባና ይዝራእ። ህያዋን ስለ ዝዀንናን ናይ ነጻ ፍቓድ ስልጣን ስለ ዝተዋህበናን፡ ኣብ ልዕሌና ንዚዝራእ ዘርኢ ፈቲና ናይ ምቕባል ወይ ከኣ ጸሊእና ናይ ምንጻግ ልኡላዊ ስልጣን’ውን ኣሎና። እዚ ልኡላውነት’ዚ ግን ኣብ ትሕቲ’ቲ ዓብዪ ልኡላውነት ናይ እግዚአብሔር ዚመሓደርን ዘይስገር ተሓታትነት ዘለዎን ምዃኑ ኪዝንጋዕ ዘይግብኦ ጠቓሚ ሓቂ’ዩ።
“ነቲ ቓል ምእንቲ ኽትገብሮስ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ’ዩ። ርአ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን፡ .... በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣለኹ። .......ብህይወት ክትነብርሲ፡ ህይወት ሕረይ።” ዘዳ 30፡13,14,19
ጐይታና በዚ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ኬመሓላልፎ ዝደለየ መሰረታዊ መልእኽቲ እንታይ’ዩ፧ እቲ ዝዓበየ መልእኽቱ፡ እቲ ልዕል ኢልና ዝገለጽናዮ፡ ብቓል ኣምላኽ ብዙሕ ፍረ ኽንፈርይ ዝተፈጠርና ግራት ኣምላኽ ምዃንና’ዩ። ጐይታና ኣብ’ዚ ምስላኡ ሰለስተ ካብ ምፍራይ ዜብኵሩና ዕንቅፋታት ከም ዘለዉ ገሊጹልና ኣሎ።
1ይ እቲ በዕዋፍ ዝተመሰለ ነቲ ኣብ ልብና ዝተዘርአ ቓል ኣምላኽ ዚምንጥል ሰይጣን’ዩ። ጥቓ መገዲ ዘሎ ዘራእቲ፡ በቲ መገዲ ብዚሓልፉ እንስሳታትን ሰባትን ይጥቃዕ’ዩ። ስለ’ዚ ልዑል ጥንቃቐን ሓለዋን ዚጠልብ ግራትን ዘራእትን’ዩ።
2ይ ኣብ ውሽጡ ኸም ከውሒ ዝበለ ተሪር ልቢ ዘለዎ፡ እቲ ዝተዘርኣሉ ቓል ኣብ ውሽጡ ሱር ሰዲዱ ኸይሰርሕን ከይፈርይን ዚገብር ሰብ’ዩ። ቀልጢፉ ንዚቕበል ቀልጢፉ ኸኣ ንዚጠልም ሰብ ዚገልጽ ከኣ’ዩ (ሉቃ 8፡13)፡
3ይ ብዘይካ ቃል ኣላኽ ካልእ ክፉእ ዘርእታት’ውን ዜአንግድ ልቢ ንዘለዎም ሰባት ዚገልጽ’ዩ። ናይ ሎሚ ትምህርትና ድማ ናብ’ዚ ሳልሳይ ዕንቅፋት ዝዓለመ’ዩ።
ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ከም ዚሓንቕ እሾዅ ገይሩ ገሊጽዎ ዘሎ ነየናይ’ዩ፧ እዚ ሕቶና’ዚ ቅዱስን ሃዋርያት’ውን ዘልዓልዎ ኣዝዩ ኣገዳስን ወርቃውን ሕቶ’ዩ። ጐይታና ነቲ ዘይምስትውዓሎም እንተ ነቐፎ’ኳ፡ ነቲ ዘቕረብዎ ሕቶ ግቡእ መልሲ ብምሃብ፡ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ኣስኒቕዎም’ዩ። እዚ ምስላ’ዚ ኣብ ዝተጻሕፈሉ ስለስቲኡ ወንጌላት፡ ጐይታና ነዞም ዚስዕቡ ከም እሾዅ ገሊጽዎም ኣሎ (ማቴ 13፡22 ፣ ማር 4፡18,19 ፣ ሉቃ 8፡14)፡
1. ጓሂ’ዛ ዓለም’ዚኣ
2. ሓልዮት’ዛ ዓለም’ዚኣ
3. ምዕሻው ሃብቲ
4. ጣዕሚ ወይ ተድላ ናይ ናብራ (Pleasures)
5. ካልኦት ትምኒታት
እዞም መንፈሳውያን ኣእሻዅ’ዚኣቶም ዘርዚርካ ምስ ዚግለጹ፡ ኣብ ውሽጦም ነዊሕ ዝርዝራት (lists) ከም ዘለዎም ርዱእ ሓቂ’ዩ። እቲ ዝሰማዕናዮ ቓል እግዚአብሔር ኣብ ውሽጥና ሰላሳን ሱሳን ሚእትን ፍረ ኸይንፈርየሉ ዚሓንቁናን መኻናት ዚገብሩናን’ዮም። ነቲ ቓል ሓቂ፡ እግዚአብሔር ዚዘርኣልና ኪኸውን ከሎ፡ ናይ’ዚ ሓናቒ ኣእሻዅ ዘርኢ ዚዘርኣልና ድማ እቲ ጸረ ኣምላኽ ዝዀነ ድያብሎስ’ዩ። ጐይታና ኣብ’ቲ ቐጺሉ ዝመሃሮ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።
“መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቅ ዘርኢ (ስርናይ) ዝዘርአ ሰብ’ያ ትመስል። እቶም (ግዙኣቱ) ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጸ’ሞ፡ ኣብ’ቲ ማእከል ስርናይ፡ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። ........ ነቲ በዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፡ “ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፡ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ነዝስ ጸላኢ’ዩ ዝገበሮ” በሎም።
ነቲ ምስላ ኺትርጕመሎም ከሎ ድማ፦
“እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርአ ወዲ ሰብ (ኢየሱስ)’ዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለም’ያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ እቶም ደቂ መንግስቲ ኣምላኽ’ዮም። እቲ ኽርዳድ ግና፡ ደቂ’ቲ ኽፉእ’ዮም። እቲ ዚዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ’ዩ።” ብምባል ገለጸሎም (ማቴ 13፡37-39)። ስለ’ዚ ናይ ኣምላኽ ህያው ግራት ምዃንና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣገሪሁን ኣታሊሉን ክፉእን ሓኒቑ ዚቐትልን ዘርኢ ዚዘርእ ደመኛን ደረቐኛን ጸላኢ ከም ዘሎና’ውን ከነስትውዕል ግቡእናን ብልህነትን’ዩ። ግራትና ሓናቒ ዘርኢ ኼአንግድ ንፈቕድ እንተ ዄንና፡ ነቲ ጥዑይ ዘርኢ ስርናይ ኪዝርኣልና ምቕባልናን ደኣ እንታይ’ዩ ረብሓኡ፧ ስለ’ዚ እቲ ፍሪኡ ኼብዝሕ’ሞ፡ ካብ’ቲ ዘራኢ ጐይታ ኽቡር ዓስቢ ኪቕበል ዚደልይ ክርስትያን፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ልኡላዊ ፍቓድን ስልጣንን፡ ንርእሱ ኻብ’ቲ ኽፉእ ዘራኢ ኺሕልው፡ ካብ’ቲ ሓናቒ እሾኹ ድማ ርእሱ ኼጽርይ መንፈሳዊ ሓላፍነቱ’ዩ።
እዚ ጐይታና ዝዘርዘሮ መንፈሳዊ እሾዅ ብኸመይ’ዩ ሓኒቑ ዚቐትለናን ዜምክነናን፧ ነዚ ሕቶ’ዚ ዚምጥን ብቑዕ መልስን ርድኢትን እንተ ዘይረኺብና፡ ካብ ማሕነቕቲ ናይ’ቲ ሰይጣናዊ ዘርኢ ኸነምልጥን ክንድሕንን ፈጺምካ ኣይከኣልን’ዩ። ኣቦታትና “ኣማጽኣ ሰይጣን ዘይፈልጥሲ ኣይመንኵስ” ከም ዚብሉ፡ እዚ ኣእሻዅ’ዚ ብኸመይ ከም ዜጥፍኣናን ከም ዚጐድኣናን እንተ ዘይፈሊጥና ድማ፡ “ክርስትያን’የ” ምባልና ትርጕምን ረብሓን ኣይኪህልዎን’ዩ። ቅዱሳን ነብያት “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ” ከም ዝብሉ፡ ሰኣን ግቡእ መንፈሳዊ ፍልጠት ምርካብና፡ እቲ ጐዳኢ ኸም ጠቓሚ፡ እቲ ነውሪ ድማ ንቡርን ክብረትን ኰይኑ እናተራእየና ንጕዳእን ንጠፍእን ኣለና (ሆሴ 4፡6 ፣ ኢሳ 5፡13)።
እዚ ጐይታና፡ “ይሓንቆ’ሞ ከይፈረየ ይተርፍ” ኢሉ ዝገለጾ ሓቂ፡ ልክዕ ከም’ዚ ናይ ሰብ ማሕነቕቲ እቲ እሾዅ ኣብ ዙርያ’ቲ ዘርኢ-ስርናይ ተጠምጢሙ ከም ዚቐትሎ ንምግላጽ ኣይኰነን። ብሓፈሻ ጻህያይ ነቲ ጽቡቕን ተደላይን ዘርኢ ብኸመይ ከም ዚጐድኦ ሰብ-ሞያ ሕርሻ ብዝበለጸ ብሳይንሳዊ መገዲ ኺገልጽዎ ምኸኣሉ። ገሊኦም ነቲ ማይን ማዕድናትን ብምህላኽ ነቲ ጽቡቕ ዘርኢ የምክንዎ። ፍረ ዚኸልእ ካልእ ብዙሕ ሜላታት ጕድኣት’ውን ኣለዎ። እቲ ኣገባቡ ዘይኰነ፡ እቲ ውጽኢቱ’ዩ ዜገድስ። ሳዕቤናዊ ውጽኢቱ ግን ፍረ-ኣልቦነትን ሞትን’ዩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ከም መንፈሳዊ ጻህያይ ወይ እሾዅ ተገሊጹ ዘሎ ትምኒታት ድማ ልብና ብዛዕባ’ቲ ዝሰማዕናዮ ቓል ምሉእ ኣድህቦ ኸይገብር ንትግባረ ወይ ተኣዝዞ ናይ’ቲ ቓል ከይተግህ ዚዕንቅጽ’ዩ። ብቓል ኣምላኽ ብዙሕ ፍረ ኸይንፈርይ፡ እዚ ዝተጠቕሰ ዝርዝራት ብኸመይ ሓኒቑ ኸም ዚሕዘና፡ መዓልታውን ናይ ምሉእ ዕድመን ተመክሮ ስለ ዘሎና፡ ብዙሕ ትንተና ዚሓትት’ውን ኣይኰነን። እቲ ጸገም ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ’ዩ ዚገሃድ።
1ይ ጽውዓ ወይ ዕድመ ኣብ ምቕባል፦ ነዚ ናይ ሓልዮትን ካልእን ማሕነቕቲ ብግቡእ መገዲ ዜርእየና ኽፍሊ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ናይ ማቴ 22፡1-14፡ ከምኡ’ውን ናይ ሉቃ 14፡16-24 “ምስላ መርዓ ዝገበረ ንጉስ’ዩ”። እቲ ዕድመ ናይ እግዚአብሔር ኰይኑ፡ ናይብ መኣዲ ወንጌል ዝተገብረ ዕድመ’ዩ። እቶም ብኽብሪ ዝተዓደሙ ሰባት ድሮ ብሓልዮት ናይ’ዛ ዓለም ተሓኒቖም ዝተታሕዙ ስለ ዝነበሩ ጕዳይ ግራቶምን ንግዶምን ተድላኦምን ኪገብሩ ነቲ ዕድመ ብሸለልታ ነጸግዎ። እቲ ዕድመ ናይ ድራር ዕድመ ነበረ (ሉቃ 14፡16)። እቲ ዘቕረብዎ ምኽንያት ድማ ኣብ ጊዜ ድራር ዚግበር ዓይነት ኣይነበረን። እቲ ሓደ፡ ሓሙሽተ ጽምዲ (ዓሰርተ) ኣብዑር ስለ ዝዓደገ፡ ንኣታቶም ኪፍትን መደብ ስለ ዝነበሮ ከም ዘይጥዕም ኣመኽነየ። ኣብዑር ግን ኣብ ጊዜ ድራር ኣይፍተኑን’ዮም። ዝዓደግካዮ ግራት ኣብ ጊዜ ድራር ዘይኵለል ምዃኑ እናተፈለጠ፡ ገሊኦም ብእኡ ኣመኽነዩ፡ ስለ’ዚ እቲ ሓልዮትን ጓህን ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ’ዩ፡ ነቲ ዕድመ ሸለል ኪብልዎን ኪነጽግዎን፡ ካብኡ ሓሊፎም’ውን ነቶም ልኡኻት ብምግራፍን ብምቕታልን ኪቃወምዎ ዝገበሮም። ካብ’ዚ ዚኸፍእ ማሕነቕቲ ኺህልው ድማ ኣይከኣልን’ዩ። ናይ መወዳእታ ዓስቢ ናይ’ቲ ተግባሮም ድማ ሞት ኰነ።
2ይ ነቲ ዚንገር ቃል ብኣስተውዕሎ ኣብ ምስማዕ፦ ናይ መብዛሕትና ዝውቱር ተመክሮ ኸም ዜረጋግጾ፡ ዋላ ቓላ እግዚአብሔር ንኽንመሃር መጺእና ኸነብቅዕ፡ ነቲ ዘምጽኣና ጕዳይ ሓዲግና ብዛዕባ ማሕበራዊ ጕዳያትናን ስራሕናን ዝምድናታትናን ኣብ ምሕሳብ ንጽመድ። ገሌና’ሞ ኸኣ ናይ’ቲ ዝተዋህበ ኣርእስቲ’ኳ እንታይ ምዃኑ ዘይነስተውዕል ኢና። እዚ ኸኣ እቲ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ሓልዮትን ጓህን ትምኒታትን ነቲ ኣድህቦና ሓኒቑ ስለ ዝሓዞን ስለ ዝገበቶን ዚኽሰት’ዩ። እቲ ልቢ ዚምርምር ጐይታ ነቲ ማሕንቖ’ዚ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚፈልጦ፡ ሓደ ትምህርቲ ሂቡ ምስ ወድአ፡ “እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ” ዚብል ቃል ይደጋግም ነበረ (ማቴ 13፡9 ፣ ማር 7፡16)። ደጋጊሙ’ውን፡ “(ብዛዕባ) እትሰምዕዎ ተጠንቀቑ፡ ከመይ ጌርኩም ከም ትሰምዑ ተጠንቀቑ” እናበለ ብኣጽንዖት የጠንቅቕ ነበረ (ማር 4፡23,24 ፣ ሉቃ 8፡18)። ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ብምጥቃስ’ውን፡ “በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ምስማዕሲ ትሰምዑ፡ ግናኸ ከቶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም” ብምባል ጸገም ናይ ሰማዕቱ ይገልጽ ነበረ (ማቴ 13፡13-15 ፣ ኢሳ 6፡9,10 ፣ ኤር 5፡2 ፣ ህዝ 12፡2)፡ ዋላ ነቲ ቓል በእዛንና እናሰማዕናዮ’ኳ፡ ልብና ግን ደድሕሪ ረብሓ ርእስና ከም ዚዅብልል ነቲ ቓል ብምእዛዝ ከይንፈርዪሉ ኸም ዚሓንቀና፡ ብቕዱሳን ነብያቱ ደጋጊሙ ገሊጹልና’ዩ (ህዝ 33፡30-33)።
3ይ፦ ነቲ ቓል ብምእዛዝ ፍረ ኣብ ምፍራይ፦ እዚ ዕንቅፋት’ዚ እቲ ዝኸበደ’ዩ። ጐይታና ደጋጊሙ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ኦም፡ ተቘሪጹ ናብ ሓዊ’ዩ ዚድርበይ (ማቴ 7፡16-20 ፣21፡19 ፣ ሉቃ 13፡6-9 ፣ ዮሃ 15፡2,6)። መልእኽቱ ድማ ብዛዕባ ኣእዋም ዘይኰነስ ብዛዕባ ሰብ’ዩ። ስለ’ዚ ኢና ኻብ ምፍራይ ኪዕንቅፈና ኻብ ዚኽእል ኵሉ ትምኒታት፡ ጕዳያት፡ ልማዳት፡ ዝምድናታት ኣዚና ኽንጥንቀቕ ንክንሕለውን ዚግብኣና። እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ብጐይታ ዝተዘርዘሩ ሓኒቖም ካብ ምፍራይ ዜብኵሩና ዕንቅፋታት ፈጺሞም ከይበቝሉና ክንከላኸል፡ እንተ ወሓደ ድማ ኣብ ልዕሌና ሰልጢኖም ናብ ፍረ-ኣልቦነትን ሞትን ከየብጽሑና ኸለዉ ኻብ ህይወትና ኽንጻህዮምን ክንኣልዮምን ይግብኣና። ጐይታ በዚ ምስላኡ’ዚ ኼሕልፈልናን ኬጨብጠናን ዚደልይ መልእኽቲ ንሱ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ናብ’ቶም እብራውያን ተገልገልቱ ኣብ ዝጸሓፎ ስምዕታዊ መልእኽቲ፦
“እታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ ነቶም (ንረብሓኦም) ዚሓርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ’ያ፡ (ነቲ ዚጠቅም ፍረ ገዲፋ) እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቕፍትን ጥቓ መርገምን’ያ፡ መወዳእታኣ’ውን ምንዳድ’ዩ።”
ብምባል መዘዝ ናይ’ቲ ሓናቒ እሾዅ እንታይ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ኣነጺሩልና ኣሎ (እብ 6፡7,8)። እቲ ህይወት-ኣልቦ ግኡዝ ግራት፡ እሾዅ ንዘይምብቋልን ንዘይምፍራይን ኪገብሮ ዚኽእል ዋላ ሓንቲ የልቦን። እንተ ፈተወ እቲ ዋናኡን ዚሓርሶን ሰብ ጥራሕ’ዩ ኬጽርዮ ዚኽእል። እቲ ህያው ግራት ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ ግና፡ ኣብ ልዕሊኡ እንታይ ይዝራእ፡ ንሱ ኸኣ ነየናይ ዘርኢ የብቍልን የፍርይን ባዕሉ’ዩ ዚውስን። ኣብ’ቲ ቐዳማይ ዓይነት ዕንቅፋት ዝተጠቕሱ ሰባት፡ ዘርኢ ስርናይ ኣብ ልዕሊኦም ከይዝራእ ስለ ዝወሰኑ፡ ነቲ ዕድመ ነጺጎምዎ ካብኡ ሓሊፎም’ውን ተዋግእዎ። እቶም ብክርስቶስ ክርስትያን ዝዀንና ዅላትና ግን ነቲ እኩይ ዘራእን ነቲ ኽፉእ ዘርእን ኢና ኽንነጽግን ኽንዋጋእን ዚግብኣና። ብንቑሓትና ምስናይ ቀልብና ኸለና ኽንቅበሎ ኸም ዘይንኽእል ስለ ዚፈልጥ፡ ከም’ቲ ኣብ ማቴ 13፡24-28 ዘንበብናዮ፡ ኣብ ንቑሕ መንፈሳውነት ከለና ዘይኰነስ፡ ናብ መንፈሳዊ ድንዛዘ ኣትና ድቃስ ሞት ደቂስና ኸለና፡ ኣብ ግዜ ጸልማት’ዩ ዚገብሮ። መንፈሳዊ ጸልማት ኣብ ዝሰፈነሉ ጊዜ ድማ ሓጥእ ትምኒታትን ተግባራትን’ዩ ዚዓዝዝ። ስለ’ዚ ግራት ስርናይ ክንከውን ተፈጢርናን ተጸዊዕናን ክነስና፡ ግራት እሾዅን ተዀርባን ናብ ምዃን ከይንበላሸውን ርእስና ኽንሕልውን ይግብኣና። እሾዅ ኣብ ልዕሌና ኺለምዕን ኪስልጥንን ፈቒድና ማለት፡ ድራር ሓውን መርገምን ንምዃን መሪጽና ኣለና ማለት’ዩ። እዚ እኩይ ምርጫ’ዚ ድማ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንጥዕና ኣእምሮና ኸይተረፈ ኣብ ትሕቲ ምልክት ሕቶ ዜእትው’ዩ። ንዅላቶም’ቶም ጐይታ ዘርዚርዎም ዘሎ ኣእሻዅ ኣብ ሓደ ጊዜ ዘርዚርካን ኣስፊሕካን ክትርእዮም ኣይከኣልን’ዩ። ኣምላኽ እንተ ፈቒዱን፡ ዕድመን ጥዕናን እንተ ሂቡና ግን፡ በብእዋኑ ኣብ ዝተፈላለየ ሰናብቲ በብሓደ ኽንመሃሮም ኢና። ንሕጂ ብዛዕባ ሓልዮት ናይ’ዛ ዓለም ክንድህስስ ኢና።
ሓልዮት ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብኸመይ’ዩ መንፈሳዊ ፍረና ኸይበዝሕ ዚዕንቅፈና፧ ጐይታና ኣገልግሎቱ ኺፍልም ከሎ፡ በቲ “ናይ ከረን ስብከት” ዝተሰምየ ትምህርቲ’ዩ ዚጀመረ። ብዛዕባ’ቲ ነእምሮና ዚገዝእን ዚመልኽን ሓልዮት ድማ፡ “እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንስትይ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ” ብምባል ኣስተምሃረ (ማቴ 6፡25-34)። ብፍላይ ኣብ ፍቕዲ 33 ድማ፡ ቀዳምነት ሂብና ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ከይንደልይ ዚዕንቅፈና እዚ ሓልዮት ዓለም’ዚ ምዃኑ ኣሚቱልና ኣሎ። ብዛዕባ ምጽኣቱ ኼስተምህር ከሎ’ውን፡ “.....ሓልዮት ሓዳር ንልብኹም ከይከብድ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” ብምባል ኣጠንቂቑና ኣሎ (ሉቃ 21፡34,35)። ንልብና ኣዝዩ ዝኸብዶ እዚ ምድራውን ማሕበራውን ሓልዮታት ምዃኑ፡ ባዕላትና’ውን ዘይንኽሕዶ ሓቂ’ዩ። ምድራዊ ሓልዮት ኵሉ ጊዜ ብዋጋ መንፈሳውን ሰማያውን ሓልዮት’ዩ ኣብ ልብና እናዓበየ ዚኸይድ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ 1ቈረ 7፡25-34 ካ.ት ብስእላዊ መገዲ ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ። ከነንብቦን መጽናዕቲ ኽንገብረሉ ዚግብኣናን ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ’ዩ
“ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮት ክትኰኑ ሃረርታይ’ዩ። እቲ ዘይተመርዓወ (ሓልዮት ሓዳር ዘይብሉ ሰብ) ከመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጕሶ ብናይ ጐይታ’ዩ ዚሓልይ። እቲ ዝተመርዓወ (ብሓልዮት ሓዳር ዝተጸምደ ሰብ) ግና፡ ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጕሳ (ብዛዕባ’ዛ) ዓለም’ዚኣ’ዩ ዚሓልይ፡ በዚ ኸኣ ሓሳቡ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ’ዩ። እታ ዘይተመርዓወት ሰበይቲ ወይ ድንግል ድማ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ ብናይ ጐይታ’ያ እትሓልይ......”
ዓለማዊ ሓልዮት ንጐይታ ገዲፍካ ንሰብ፡ ንመንፈስካ ገዲፍካ ንስጋኻ፡ ንዘለኣለማዊ ገዲፍካ ንጊዝያዊ ከተኽብር’ዩ ዚገብረካ። ካብ’ዚ ዚኸፍእ እሾዅ ድማ የልቦን። ወርቂ ደርቢኻ ጐሓፍ ከተልዕል ዚገብር ሕሱም ምርጫ’ዩ። ንመጻምድትኻ ምሕላይ ሰናይ’ምበር ክፉእ ተግባር ኣይኰነን። ንመጻምድትኻ ምእንቲ ኽተሓጕስ ኢልካ ንኣምላኽካ ምሕጓስን ብዛዕባኡ ምሕላይን እንተ ገዲፍካዮ ግን ሽዑ እቲ ሓልዮትካ ሰናይ ምዃኑ ተሪፉ ሓናቒ እሾዅ ኰይኑ ይቐትለካ ኣሎ ማለት’ዩ። ብዛዕባ ደቅኻ፡ ወለድኻ፡ ስራሕካ፡ ትምህርትኻ፡ ዋኒንካ ወዘተ ዘሎካ ሓልዮት እናበዝሐ ብዝኸደ መጠን ማሕነቕትኻ እናኸበደ፡ ፍረኻ እናወሓደ ይኸይድ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ትሕቲ ሰብካን ዋኒንካን ዝሰራዕካዮን ዘዋረድካዮን ኣምላኽ ካብ’ቲ ጕንዲ ወይኑ ቈሪጹ ናብ ዘለኣለማዊ ውርደትን ስቓይን ይድርብየካ። ናይ’ዚ ዅሉ ሳዕቤን ጠንቂ፡ እቲ ብምርጫና ዘልዓልናዮ ዓለማዊ ሓልዮት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ሃዋርያዊ ምኽሪ እንተ ተኻእለ ፈጺምካ ሓልዮት ኣልቦ ምዃን፡ እንተ ዘይተኻእለ ኸኣ እቲ ዓለማዊ ሓልዮት ካብ’ቲ መንፈሳዊ ሓልዮት ብዘይ ዕንቅፋካ መገዲ ምሓዝ ምዃኑ ኣብ 1ቈረ 7፡29-31 ካ.ት ገሊጹልና ኣሎ።
እዚ ኣበሃህላ’ዚ ስግንጢር ኰይኑ ኸም ዚረኣየና ርዱእ’ዩ። ምኽንያቱ ብዘይ’ዚ ሓልዮት’ዚ ምንባር ማለት፡ ንዓሳ ኻብ ማይ ኣውጽእካስ ብህይወት ኪነብር ከም ምግባር ኰይኑ ኽሳዕ ዚስምዓና ተበላሺና ኢና። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ኣተሓሳስባና ብምሕዳስ እንተ ዘይተለዊጥና፡ ካብ’ዚ ወሓጢ ታኼላን ሓናቒ እሾዅን ዝዀነ ዓለማዊ ሓልዮት ክንናገፍ ዘሎና ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ። ጽዉዓት ብዙሓት፡ ሕሩያት ግና ኣዝዮም ሒደት ዚዀኑሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ጐይታና ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ካብ ማሕነቕቲ ዓለማዊ ሓልዮት ተናጊፎም ብዙሕ ፍረ ዝፈረዩሉ ኸም ዜኽብሮም ብግህዶ ኣፍልጢ’ዩ። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን፡ “ንጾርኩምን ሓልዮትኩምን ናብ ኣምላኽ ደርብይዎ” ኢሎም ዝመዓዱና ንግበር (መዝ 55፡22 ፣ 1ጴጥ 5፡7)። ሰይጣን ብሓልዮት ስጋ ብነፍሰ ስጋና ዚጻወት ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓላዪ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ናብ ደረጃ ባዶ ስለ ዝወረደ’ዩ። ነቶም ካብ ባርነትን መቕዘፍትን ናይ ግብጺ ዘምለጡ እስራኤላውያን፡ ኣብ ምድረ በዳ ኸም ዚጸንቱ ዝገበረ፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘበኣሶም ሓልዮት ስጋ’ዩ። ንኣና’ውን ኣብ ናይ’ዛ ዓለም ምድረ በዳ ኣዀብሊሉ ናብ ገሃነም ገጹ ዚኽብክበናን ዚነቝተናን ዘሎ’ውን ንሱ’ዚ ሓልዮት ስጋ’ዚ’ዩ። ርእስና ምምርማር ክሳዕ ዘየድልየና በዚ ዓለማዊ፡ ሓልዮት ተሓኒቕና ምህላውና ኣሉ ዘይበሃል ግሁድ ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ ዘለኣለማዊ መጻኢና ምእንቲ ኺጽብቐልና፡ ንህይወትና ካብ ሓልዮት ስጋን ካብ ካልእ ሓናቒ ኣእሻዅን ነጽርያ። ብምርጫና ንሰይጣን ኣሕፊርና ንኣምላኽና ብፍረና ነኽብር።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሓምለ 9, 2015 ግዕዝ (16 ሓምለ 2023 ፈ [መበል 45 ሰንበት: ቊ.፶፫/53, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ. ፷፬(፷፭)፡፲,፲፩ “አርውዮ ለትለሚሃ። ወአሥምሮ ለማእረራ። ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሐ።” “ንነግሕታታ ተስትዮ፡ ንድንኵላታ ትምድምዶ፡ ብዝናም ተለምልማ፡ ንብቚላ ትባርኾ። ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፡ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥ።”
|
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡31-44 |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 2፡17-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 14፡8-18 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 13፡1-12 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ