“ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ (ኣምላኽ) ከይትወድቁስ፡ (ኣይትምሓሉ)። እቲ እወኹም እወ፡ እቲ ‘ኣይኰነን’ ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን’ምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ ብምድሪ ወይስ ብኻልእ፡ ማሕላ ኣይትምሓሉ።” ያእ 5፡12
“ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይሽን እትገብሮ ዘለኻ (ዅሉ)፡ ተኣሚንካ ትገብሮ ኣለኻ። እዚኣቶም ብዛዕባ ፍቕርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር ኣለኻ።” 3ዮሃ 5፡6።
“ንሕና’ ነሕዋት)ና) ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና ንፈልጥ (ኢና)። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር።” 1ዮሃ 3፡14
“ነፍሲ ወከፍ ነቲ ብስጋኡ (ብህይወት) ከሎ ዝገበሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ (ግብሪ) ምእንቲ ኪቕበል ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንገሃድ ኢና። ስለ’ዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ’ሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ (ብህይወት እንተ’ሊና ወይስ እንተ ሞትና) ንእኡ ኸነሐጒሶ ንጽዕት ኣለና።” 2ቈረ 5፡9,10
"ሕጂ ግና ነዚ ዅሉ ድማ፡ (ማለት) ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባ’ውን፡ ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።" ቈሎ 3፡8
“ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ዎ! ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት (ከላ) ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።” ዮሃ 17፡4-5
“ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ (ናብቲ መቓብር) ኣተወ። ነቲ “ካብ ምውታት ኪትንስእ ይግብኦ’ዩ” ዚብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዓልዎን ነበሩ’ሞ፡ ርእዩ ኣመነ።” ዮሃ 20፡8-9።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ