“ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም’ዩ። ነቲ መንፈስ ሓቂ’ቲ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት ክትቅበሎ ኣይኰነላን’ዩ። ንስኻትኩም ግና ‘ምሳኻትኩም ዚሓድር፡ ኣባኻትኩም’ውን ዚነብር ስለ ዝዀነ ትፈልጥዎ ኢኹም።” ዮሃ 14’16,17 ካ.ት + ቀ.ት
እዚ ሰንበት’ዚ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ታሽዓይ ሰንበት፡ ናይ ዘመን ዕርገት ድማ 3ይ ሰንበት’ዩ። እቲ ናይ በዓለ መንፈስ ቅዱስ መዝሙር ንምስባኽን ንባባትን ልክዕ ከም ናይ በዓለ ትንሳኤ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ብፍሉይ ንበዓለ መንፈስ ቅዱስ ዚምልከት ኵሉ ንባባት፡ ምስባኽ ኰነ መዝሙር ኣብ’ዚ ሰንበት’ዚ’ዩ ዚዝመርን ዚንበብን። ካብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ’ዚ ዘለናዮ ሰንበት ዘሎ ቕንያት ድማ “ዘመነ ጸራቅሊጦስ’ዩ ዚበሃል። ዝሓለፈ ሰንበት “ንመንፈስ ቅዱስ ንሱ ኣፍሰሶ” ብዚብል ኣርእስቲ ኸም ዝተመሃርናን፡ ነቶም መንፈስ ቅዱስ ብምቕባልና እንረኽቦም መብዛሕትኦም ረብሓታት ከም ዝዘርዘርናን ዚዝከር’ዩ። ብቅዱስ ያሬድ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተዳለወ መዝሙር “ወረደ መንፈስ ቅዱስ” ዚብል’ዩ። ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ ዮሃ 14፡12 ፍጻመ ዀይኑ፡ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ዝሓዘ’ዩ። ካብ’ቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝዘርዘርናዮም ረብሓታት ናይ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኸኣ ምጽንናዕ’ዩ። “ጰራቅሊጦስ ወይ መጸናንዒ” ዚብል ቃል፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ ዚጽውዓሎም ስማት ሓደ’ዩ። እዛ ‘ንነብረላ ዘለና ዓለም ናይ ጓህን ጕድኣትን ዓለም’ያ። ኣብ ትሕቲ ግዛኣት ናይ’ቲ እኩይ ድያብሎስ ስለ ‘ትመሓደር፡ እቲ ጥበራውን ናብ ሓጢኣት ዜስሕት ጊዝያዊ ሓጐስ’ምበር፡ እቲ ሓቀኛን ነባርን ሓጐስ ኣይርከባን’ዩ። ብፍላይ’ቲ ንክርስቶስ ኣሚኑ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚነብር ሰብ፡ ኣብ ምድሪ ግሽነትን ስድደትን ይነብር ስለ ዘሎ፡ ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚጽበዮ ዝዀነ ዓይነት ሓጐስ የልቦን። ብዝተፈላለየ ዓይነት መከራ ስለ ዚሓልፍ፡ ሓጐስ ዀነ ምጽንናዑ ካብ’ቲ ንውሽጡ ዝመልአ መንፈስ ቅዱስ’ምበር፡ ካብ ካልእ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ።
ካብ’ዚ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚርና ድማ ኣብ ጾመ ሃዋርያት ኢና ተጸሚድና ዘለና። ኣብ’ቲ “ግብረ-ኣምልኾ” ዘርእስቱ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ናይ ስነ-ምግባር ትምህርቲ ብስፍሓት ከም እንመሃሮ፡ ዘመነ ጾም ንስጋና እንቐጽዓሉን እነሕስኣሉን ንኣምላኽ ዜስምር ቅዱስ ናይ እምነት ገድሊ’ዩ (1ቈረ 9፡27)። ጾም፡ ስጋና ዚብህጎ ሓጐስን ምሾትን ተሓሲምና፡ ንመንፈስና ዜሐጕስን ዜሐይልን መንፈሳዊ ስነ ምግባር እነዕዝዘሉ ናይ ግብራዊ ኣምልኾ ወቕቲ’ዩ። ሓይሊ ስጋ ምስ ዚብርትዕ፡ ሓጢኣት (ግብሪ-ስጋ) ይዓዝዝ፡ መንፈሳውነትና ድማ ይድቈስ። ሰይጣንን ዓለምን ከኣ ንስጋ ኼሐይሉን ኬግዝኡን’ዮም ዚደልዮ። ሓይሊ መንፈስና ምስ ዚብርትዕ ግና፡ ፍረ ጽድቂ ይበዝሕ፡ ስጋና ድማ ንፍቓድ መንፈስና ይግዛእ። ኣብ’ቲ ስጋዊ ወይ ዓለማዊ ሰብ፡ ፍትወት ስጋ’ዩ ዚገዝእ። ኣብ’ቲ መንፈሳዊ ሰብ ግና መንፈስ ቅዱስ’ዩ ዝገዝእ። ስለ’ዚ እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ተሰሪዑልና ዘሎ ዘመነ ጾም፡ ንስጋና ኣብ ትሕቲ መንፈስ ቅዱስ እነግዝኣሉ ጊዜ’ዩ። ጾም፡ ናይ ገድሊ ጊዜ ስለ ዝዀነ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ’ምበር፡ ስጋዊ ሓጐስ እነስተማቕረሉ ጊዜ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ዘመነ ጾም፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝለዓለ ዚነጥፈሉ ጊዜ’ዩ። ናይ ጾም ቍም ነገር፡ ኣብ ምቕጻዕ ስጋ ዘድሃበ ኣይኰነን። ስጋና ኺሓስእ ዝተደልየሉ ምኽንያት፡ መንፈስና ምእንቲ ኺብርትዕ’ዩ። ስለ’ዚ ጾም-ስጋና መሳለጥያ (means) ‘ምበር፡ ናይ መወዳእታ ሸቶ (end) ኣይኰነን። ንስጋና ኣሕሲእናዮ ኸነብቅዕ፡ መንፈስና ኸይሓየለ እንተ ተሪፉ፡ ጾምና ረብሓ ዘይኰነስ ድርብ ወጽዓ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ፡ ጾምና ፍረ-ኣልቦን ዝባኸነን ስነ-ምግባር ይኸውን ማለት’ዩ። ናይ ብሓቂ ብምሉእ ልቢ እንተ ተኣዚዝናዮ ግን፡ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ወጽዓን ብኽነትን ዜድሕነና፡ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። መንፈስና፡ ስጋና ስለ ዝደኸመሉ ጥራይ ኣይብርትዕን’ዩ። መንፈስና ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ’ዩ ዚሕይል፡ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝሓየለ ክርስትያን ድማ ዋላ ንዘይተዳኸመ ምስ ሓይሉ ንዘሎ ስጋኡ’ውን ኪመልኽን ኪገርሕን ይኽእል’ዩ፡ ስለ’ዚ ንዘመነ ጾም፡ “ስጋና ዚደኽመሉ ጊዜ” ኢልካ ኣብ ክንዲ ምግላጹ፡ በቲ ቐንዲ ሸቶኡ፡ “መንፈስና ዚሕይለሉ ጊዜ” ኢልና እንተ ገለጽናዮ’ዩ፡ ቅኑዕን ዚምጥኖን መግለጺ ዚዀነልና። ንእኡ ዜኽብር ንኣና ኸኣ ዜርብሕ ጾም ክንጸውም ድማ እግዚአብሔር ዜኽእል ጸጋኡ ይደግፈና።
ናብ ኣርእስትና ኽንምለስ፡ ጐይታና ንምንታይ’ዩ ንመንፈስ ቅዱስ “ካልእ መጸናንዒ” ኢሉ ዝሰመዮ” ብዘይካኡ መን ካልእ መጸናንዒ ኣሎ ድዩ፧ ምጽንናዕ፡ ግብርን ባህርይን ናይ መለኮት’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ናይ ቅድስት ስላሴ ሳልሳይ ኣካል ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ዚረኣይ ባህርይን ግብርን፡ ኣብ’ቶም ካልኦት ኣካላት ቅድስት ስላሴ’ውን ኣሎ። እግዚአብሔር ኣቦ፡ መጸናንዒ’ዩ። እግዚአብሔር ወልድ’ውን መጸናንዒ’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብስም ፈልዩ <እግዚአብሔር ኣቦ፡ መጸናንዒ’ዩ” ዚብል ጥቕሲ ንረክብ ኢና።
“ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።” 2ቈረ 1፡3,4
እግዚአብሔር ወልድ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ኺገብሮ ዝረኣዮ ጥራሕ ከም ዚገብር ኣቦ ኺገብሮ ዝኣዘዞ ጥራሕ ከም ዚገብር ደጋጊሙ እንተ ተጊሩና፡ እቲ ንሱ ዝገበሮ ዅሉ ናይ ኣቦ ግብርን ባህርይን ምዃኑ’ውን ክንርዳእ ይግባእ (ዮሃ 14፡9-11,24)።
“ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ወልድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ’ምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር’ኳ ኺገብር ኣይከኣሎን’ዩ። ነቲ (ኣቦ) ዚገብሮ ግብሪ፡ እቲ ወልድ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር’ዩ። ..... እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገበሮ ዘለኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር’ዩ፡ ..... ። ..... ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኣኹኹም፡ ..... ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ። እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦይ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነ’ውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ ንኣይ’ኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ።” ዮሃ 5፡19,36፣ 10፡32,37,38
በዚ ቓል’ዚ መሰረት ኵሉ ናይ ወልድ ግብሪ፡ ናይ ኣቦ ግብሪ ምዃኑ ኪርድኣና ይግባእ። ጐይታና “ካልእ መጸናንዒ” ዝበለሉ ምኽንያት፡ ንርእሱ መጸናንዒ ስለ ዝዀነ’ዩ። ንሱ ብኣካላ ስጋ ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ ዝነበረሉ፡ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ዅሎም ዓብዪ መጸናንዒኦም ነበረ። ስለ’ዚ “ናብ ኣቦይ ክኸይድ’የ” ምስ በሎም ብኡንብኡ ልቦም ብጓኢ መልአ (ዮሃ 16፡5,6,20-22፣ 14፡28)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዜጸናንዕ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና’ዩ።
“ከም’ቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዓዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ (እቲ) ብክርስቶስ ዚኰነልና ምጽንናዕ (ኣባና) ይዓዝዝ’ዩ።” 2ቈረ 1፡5
“እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተ’ሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ።” ፊሊ 2፡1,2
እግዚአብሔር ነዚ ናይ ምጽንናዕ ባህርይ ገንዘቡ ዝገበረሉ ምኽንያት ነቲ ብምስሊ ኣርኣያኡ ዝተፈጥረ ዘርኢ ብምጽንናዕ ምእንቲ ኼጽንዖ’ዩ። ምኽንያቱ ንእግዚአብሔር ምጽንናዕ ዜድልዮ ድኻም የብሉን። ስለ’ዚ ብዛዕባ’ዚ መጸናንዒ ባህርዩ ወርትግ ከነመስግኖ፡ ብዛዕባ ዜድልየና ዅሉ ምጽንናዕ ድማ ኣብኡ ኽንውከል ይግብኣና።
ብመንፈስ ቅዱስ ዚኣክል ኣምላኽ ክንጸናናዕ ዘድልየና፡ እንታይ ምጽንናዕ ዚጠልቡ ዅነታት ስለ ዘለዉና’ዩ፧ ነዚ ሕቶ’ዚ ቕድሚ ምምላስና፡ ምጽንናዕ ናይ መንፈስ ቅዱስ፡ ነቲ ንክርስትናኡ ብግብሪ ዚነብራ ሓቀኛ ክርስትያን ጥራሕ ከም ዚምልከቶን ከም ዚውሃቦን፡ ብድምቀት ከነስምረሉ ግቡእ’ዩ። እቲ ስማዊ ክርስትያን ግን ኵሉ ኣተሓሳስባኡ ኣነባብራኡ ወዘተ፡ ልክዕ ከም ናይ’ቲ ሃይማኖት ዘይብሉ ዓለማዊ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንእኡ ዜጕህዮ ዅሉ ፍርዲ ዚስዕበሉ’ምበር፡ ምጽንናዕ ዜውሃቦ ዓይነት ኣይኰነን። መንፈስ ቅዱስ ንዝረኸቦ ዅሉ ጓሂ ኼጸናንዕ ኣይሃልኽን’ዩ። ብሓፈሻ ጓሂ ኣብ ክልተ’ዩ ዚኽፈል። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ጓሂ፡ ዓለማውን ሓጥእን ጓሂ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ዓይነት ድማ፡ ቅዱስን መንፈሳውን ጓሂ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ።
“..... ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዓስሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት’ዩ ዜምጽእ።”
ስለ’ዚ እቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ምጽንናዕ ዚጽበይ ሰብ፡ ቅድም እንታይ ዓይነት ጓሂ የሸግሮ ኸም ዘሎ ኺምርምር ይግብኦ። ንርእሱ ንመንፈስ ቅዱስ ዜጕህዮ ዓይነት ጓሂ ንጕህይ እንተ’ሊና፡ ምጽንናዕ ዘይኰነስ ካልእ ኽንጽበይ’ዩ ዚግባእ። ሞት ዚግብኦ ጓሂ እናጐሃኻስ፡ ምጽንናዕ ናይ መንፈስ ምጽባይ ከንቱ ትጽቢት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ መንፈስ ቅዱስ ናይ ሓጥእ ጕዳያትካ ኣገልጋሊ ኽትገብር ናይ ምፍታን እኩይ ሃቐና’ዩ። እቲ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዜጕህየና ጕዳያት፡ ልክዕ ከም’ቲ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ዓይነት ምስ ዚኸውን ግና ፥ ጥዕና ዘለዎ ጓሂ ኸም ዘሎና፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ድማ ምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስ ናባና ኸም ዚፈስስ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ቕኑዕ ጓሂ እንጕህይ ሰባት ምስ እንኸውን፡ ንእግዚአብሔር ብዅሉ ነገር መኻፍልቱ ኢና ንኸውን። ነቲ ጓሂና ንሱ ይካፈሎ፡ ነቲ ምጽንናዑ ኸኣ ንሕና ንካፈሎ። ንዅሉ ኽንዝርዝሮ እንተ ዘይከኣልና’ኳ ገለ ኻብ’ቶም መንፈስ ቅዱስ ዜጸናንዖም ዓይነታት ጓሂ፡ እዞም ዚስዕቡ’ዮም።
1. ብዛዕባ ሓጢኣትካን ኵሉ መንፈሳዊ ድኻማትካን ምጕሃይ፦ ቃል እግዚአብሔር ኣነጺሩ ኸም ዚነግረና ሓጢእት ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ መንፈሳዊ ሞት፡ ኣብ’ታ ‘ትመጽእ ዓለም ከኣ ዘለኣለማዊ ሞት ዜስዕበልና ሰራም ግብሪ’ዩ (ሮሜ 6፡22,23፣ ቈሎ 2፡13፣ ኤፌ 2፡1,2፣ ዮሃ 8፡21,24፣ ህዝ 33፡10,11፣ 18፡30-32)። ብሰሪ ሓጢኣቱ ብቕጽበታዊ ሞት፡ ብዝተናውሐን መሪር ስቓይ ዘለዎን ሕማም፡ ብምርኮን ስድደትን ወዘተን ብስጋ ዚቕጻዕ’ውን ውሑድ ኣይኰነን። ንሕና ኸኣ ሓጢኣት ዘይትበትከልና ድኹማት ፍጥረት ኢና። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግን፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕማምና ጥር ‘ትብል ጓሂ ዘጐሃናስ፡ ብዛዕባ ኣካላዊ ሕማምና ግን ክንዲ ጉድ ንጕህይን ንጭነቕን። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ ኪኸውን ምተገብኦ ነይሩ። ደጋጊሙ ኸም ዚንገረና፡ መንፈሳውን ዘለኣለማውን ሞት ማለት፡ ከም’ዚ ኣብ መቓብር እንድቅስሉ ኣካላዊ ሞት ኣይኰነን። ኣብ’ቲ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ዝተዳለወ ቀላይ ሓዊ ተደርቢኻ ንዘለኣለም ምስቓይ ማለት’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ዘይጐሃኻስ፡ ብዛዕባ ‘ንታይ ኪጕሃይ ምተገብአ!! ንሕና ግን ዋላ ከቢድ ሓጢኣት ፈጺምና ኸነብቅዕ፡ ይትረፍ ብጓሂ ኽንሓርር፡ ንማለቱ ናይ ጓሂ ንእሽቶ ምልክት’ኳ ኣይረኣየናን’ዩ። አረ ንገሊኡ ሓጢኣትናስ ንጀሃረሉ ኢና። ብዛዕባ ዝፈጸምናዮ ምንዝርና፡ ብውሽጥና ወይ’ውን ምስ ናይ ቀረባ መዓልልትና፡ “ሰሊጡኒ፡ ተዓዊተ” ኢልና ንሕጐስን ንጀሃርን፡ ንሰብ ብእልፊ ጸርፊ ምስ ኣዋረድናዮ፡ “ዋዛ ድየ፡ ዓጽሙ ክሳዕ ዝስበር ቈርበቱ ኽሳዕ ዚቕለጥ ግርም ገይረ ኣስሚዐዮ’የ” ኢልና ብነውርና ንሕበን። “ንዓ ግደፍ ይቕረበል፡ ሕውነትን ፍቕርን ይበልጽ” እንተ ተበሃልና፡ “ነዚ ይቕረ ዝብል ሞይተ ድየ፡ ይትረፍ ከፍቅሮ ገጹ ኽርእይ’ውን ኣይደልን’የ” እናበልና፡ ብሓጢኣትና ንምካሕ። መንፈስና ስለ ዝሞተ፡ ኣእምሮና’ውን ስለ ዝጸልመተ ደኣ’ምበር፡ እዚ ናብ ገሃነም ዚነቝት ኣበሳታት’ዚ፡ ዳስ ተኺልካ ኺሕዘኖን ኪብከዮን ዚግባእ”’ዩ። ሓጢኣትና ዜጕህየና እንተ ዚኸውን፡ ክንጕህይ ስለ ዘይንፈትው ኣይምደጋገምናዮን ኔርና። ድኹማት ኴንና እንተ ደገምናዮ’ኳ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብመሪር ብኽያት ምተነሳሕና ኔርና። ቅዱስ ዳዊት ብእግዚአብሔር “ዝኸም ልበይ” ዝተሰምየ ሰብ ነበረ። ስለ ዘይሓጥእ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ብዜርእዮ መልስ ግብሪ’ዩ።
“ዎ እግዚአብሔር ተቘጢዕካ ኣይትገስጸኒ፡ ነዲርካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ፡ ብቝጥዓኻ እቕንዘው ኣለኹ፡ ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ዅለንተናይ ሓሚሙ ኣሎ፡ በደለይ ዓብሊሉኒ፡ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ። ብሰሪ ዕሽነተይ ..... ምሉእ መዓልቲ እሓዝን ኣለኹ። ..... ካብ ሓዘን ልበይ ዝተላዕለ እግዕር ኣለኹ። ..... ኣነ ንምውዳቕ ቀሪበ’የ፡ ኵሉ ጊዜ ኸኣ እሳቐይ ኣለኹ። ..... በደለይ እናዘዝ ኣለኹ፡ ብሓጢኣተይ እጕህይ ኣለኹ።”
“ዎ እግዚአብሔር ጸቢቡኒ ኣሎ’ሞ፡ ኣዒንተይ ብብኽያት ደኸማ፡ ኣነ’ውን ብሓዘን ማሕመንኩ፡ ህይወተይ ብጓሂ፡ ዓመታተይ ብእህህታ ተወድአ፡ ሓይለይ ብኣበሳይ ላሕልሐ፡ ኣዕጽምተይ’ውን ማህመነ።”
“ሓጢኣተይ ከይተናዘዝኩ ስቕ ምስ በልኩ፡ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ሰብነተይ ማህመነ።” መዝ 38፡1,3,4-8,17,18፣ 31፡9,10፣ 32፡3 ካ.ት
ብዛዕባ ሓጢኣትና ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ናብ ምጕሃይ እንተ ዘይዓቢና፡ ንኣምላኽ ከነሐጕሶን ከነኽብሮን ኣይንኽእልን ኢና። እግዚአብሔር ብሓጢኣትና ደኣ ይጕሃይ’ምበር፡ ብንስሓና ኣዝዩ’ዩ ዚሕጐስ። ምኽንያቱ ንስሓ ንናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ሕያውነትን፡ ጽድቅን ፍትሕን ዚእመንን ዜጕልሕን ዓብዪ ግብሪ ጽድቂ’ዩ። ሓቀኛን ቅቡልን ንስሓ ድማ ካብ’ቲ ብዛዕባ ሓጢኣትና ዘሎና መሪር ጣዕሳን ጓህን ብኽያትን’ዩ ዚርከብ። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ሓጢኣትና ኸም’ዚ ጌርና ኽንጕህይ ኣብ ርእሲ ምርዳኡ፡ ቅኑዕ ንስሓ ኽንፍጽም ይድግፈና፡ ምሉእ ሕድገት ሓጢኣት ምርካብና ድማ የረጋግጸልና’ሞ፡ ናቱ ሓጐስ ብምሃብ፡ ንምጽንናዕና የዕብዮን የዕዝዞን። ብዝተረፈ “ሓመምኩ፡ ሰኣንኩ፡ ተበደልኩ፡ ወዘተ” ብዝዓይነቱ ጓሂ ዓለም ንልብና ኸነዳኽሞ ኣይግባእን’ዩ። ኣብ ምድሪ ዀነ ኣብ ሰማይ፡ ምጽንናዕ ኰነ ዓስቢ ዘይንረኽበሉ ከንቱ ጓሂ’ዩ። ከም ድኹማት ሰባት መጠን ኣይፈታተናን’ዩ ማለት ኣይኰነን። ማሕደሩ ገይሩ ኼበላሽወና ኽንፈቕደሉ ግን ኣይግባእን’ዩ። በቲ ዝወረደና ዅነታት ዝተጐዳእናዮ ኸይኣክል፡ ብዛዕባኡ ጓሂ-ዓለም ብምጕሃይ ባዕላትና ንጕድኣትና እነዕብየሉ ዋላ ሓንቲ ብቑዕ ምኽንያት የለን። ነቲ ብጓሂ-ዓለም ኪጐድኣና ዚኽእል ኵነታት፡ ብዛዕባኡ ንኣምላኽ ብምምስጋን፡ ኣብ ከኣልነቱን ልኡላዊ ፍቓዱን ብምውካል፡ ከም ኣቦና እዮብ፡ ናብ መንፈሳዊ ረብሓ እንልውጦ ብልህታት ክንከውን ይግብኣና’ምበር፡ “ምጕዳኣይ ዘይተረፈንስ ሓደ ኣፉ ምሉእ ጕድኣት ይኹን” ብዝዓይነቱ ግብራዊ ምርጫ እንጕዳእ ዓያሱ ኣይንኹን።
2. ብሓጢኣት ካልኦት ምጕሃይ፦ ሰባት ብሰሪ ሓጢኣቶም ዘለኣለማዊ ጕድኣት ኪጕድኡ ኻብ ምርኣይ ዚኸፍእ ትርኢት ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። ምስ ኵሉ ሰብ ኣካላውን መንፈሳውን ሓድነት ስለ ዘሎና፡ ናይ ካልኦት ሰባት ጕድኣት፡ ናይ ገዛእ ርእስና ጕድኣት’ዩ። ናይ’ቶም ብስጋዊ ዝምድና ወይ ብማሕበራዊ ዝምድና ቐረባና ዝዀኑ ሰባት ብዝለዓለ መጠን ኬገድሰና ዚግባእ’ኳ እንተ ዀነ፡ ዋላ ሕልፍ ክንብል ወዝቢ ናይ ዝረኣናዮ ሰብ መንፈሳዊ ጉድኣት’ውን ኬጕህየናን ኬሳቕየናን’ዩ ዚግባእ። ርኢናዮን ሰሚዕናዮን ከነብቅዕ፡ ከም’ዛ ዋላብሓንቲ ዘይተኸስተ፡ ከም ንቡር ተርእዮ ጌርና እንተ ተቐቢልናዮ፡ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕና ኸም ዘየለና ከቶ ዘየማትእ ንጹር ምልክት’ዩ። ነቶም ንርእሶም ኣንጺሆም፡ ብዛዕባ ኣበሳ ኻልኦት ዚጕህዩን ዜስቈርቍሩን ሰባት፡ እግዚአብሔር ኣዝዩ’ዩ ዚግደሰሎም። ምኽንያቱ መኻፍልቲ ጓሂኡን ስቓዩን’ዮም። በቲ ንነብዪ ህዝቅኤል ዘርኣዮ ራእይ ድማ እንታይ ከም ዚገብረሎም፦
“እግዚአብሔር ከኣ (ነቲ መልኣኹ)፡ <ብማእከል ከተማ፡ ብማእከል ኢየሩሳሌም ሕለፍ’ሞ፡ ነቶም ብዛዕባ’ቲ ኣብ ማእከላ ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙንሲ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም>። በሎ።” ብዚብል ቃል ተገሊጹ ኣሎ (ህዝ 9፡4 (1-7)። ሎጥ ጻድቕ’ውን ብኣበሳ ናይ ህዝቢ ሰዶም ብጓሂ ይሳቐይ ስለ ዝነበረ እግዚአብሔር ከም ዘድሓኖ ተገሊጹልና ኣሎ (2ጴጥ 2፡7,8)። ቅዱስ ዳዊት፦
“ሕግኻ ኣይሕልውን’ዮም’ሞ፡ ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ፡” ብምባል ዚስምዖ ኽብደት ጓሂ ገለጸ (መዝ 119፡136,53)። ነብዪ ኤርምያስ፡
“ነቶም (ብሰሪ ሓጢኣቶም) ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ ለይትን መዓልትን ክበክስ ርእሰይ ዔላ ማይ፡ ኣዒንተይ ድማ ፈልፋሊ ንብዓት ኰይኑ እንተ ዚኸውን መን ምሃበኒ!!” ብምባል ጕድኣት ህዝቡ ማዕረ ኽንደይ ብጓሂ የሕርሮ ኸም ዝነበረ ኣብነታዊ ተኣምኖ ጽሒፉልና ኣሎ (ኤር 9፡1)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዛዕባ’ቲ ምድሓን ክርስቶስ ዝተሓሰመ ህዝቡ፡ “ኣነ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕልናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ ..... ።” ብምባል መጠንን ምርረትን ናይ ጓሂኡ ገለጸ (ሮሜ 9፡1,2)። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እቲ ርእሲ ዅሉ ኣርኣያታት ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ’ቲ “ስቐሎ ንየው በሎ” እናበለ ዜስቅሎ ህዝቢ፡ ኣብ’ታ ንግስነቱ ኣብ ምድሪ ዝተጸምበለትላ መዓልቲ ሆሳእና፡ መሪር መልቀስን ድጕዓን ከም ዘስምዐ፡ ቅዱስ ወንጌል መስኪሩልና ኣሎ (ማቴ 23፡37-39፣ ሉቃ 19፡41-44)። ናይ ብሓቂ እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስን ኣብ መሰረት ቅዱስን ነብያትን ሃዋርያትን ዝቘምና ሓቀኛታት ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ኣብ’ዚ ንልዑል ኣምላኽን ንዅላቶም ቅዱሳትን ዝጐድአ ጓሂ ኽንሓብርን ክንሰምርን’ዩ ዚግብኣና። ከም’ዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ቅዱስ ዚምስክረሉ ጓሂ እንተ ጐሃና፡ እቲ መለኮታዊ ምጽንናዕ ድማ ከም ምጽወታ ዘይኰነስ፡ ተገቢኡና ኸየስተሓፈረ ብልግሲ ኺወሃበና’ዩ።
3. ብዛዕባ’ቲ ብምኽንያት እምነትካ ዚወርደካ መከራ ምጕሃይ፦ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብጽድቂ ኽንመላለስ ከለና፡ ጽድቂ ንዓለም ነውራ ስለ ዝዀነ፡ ዘየቋርጽ ፈተናን መከራን’ዩ ዚገጥመና። “ናይ እምነት መከራ ወሪዱኒ” ንኽትብል፡ ኣብ ዋዕላ ኣይሁድ ወይ ኣብ መጋባእያ ሮማውያን ክትቀውም ናይ ግድን ኣይኰነን። ጐይታና፡ “ንሰብ ቤተሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ’ዮም” ከም ዝበለ፡ ገዛእ ደቅኻ፡ ወለድኻ፡ መዋስብትኻ፡ ደቂ’ኖኻ’ውን ከቢድ ፈተና ኼውርዱልካ ይኽእሉ’ዮም (ማቴ 10፡36፣ ሚክ 7፡4-6)። ንብረትካ ኺግበት፡ ክትእሰር፡ ክትምቋሕ፡ ክትቅጥቀጥ፡ ክትስደድ፡ ክትቅተል’ውን ይከኣል’ዩ። እዚ መከራ’ዚ ኣብ ህይወትና ጓህን ጣዕሳን ኣስሪጹ፡ ንድሕሪት ክንምለስ ንምግባር ዝዓለመ’ዩ። ብዘይ ቃልዓለም፡ ንድሕሪት ዚምለስ ሰብ’ውን ውሑድ ኣይኰነን። ከም’ቲ ጐይታና፡ “ንበይነይ ኣይኰንኩን” ዝበሎ፡ ብኸም’ዚ ዝኣመሰለ መከራ ኽንሓልፍ ከለና፡ እቲ ምእንቲ ስሙ መከራ እንጸግበሉ ዘለና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን፡ እቲ መቕደሱ ዝገበረና እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን፡ ምሳና ሓቢሮም ሓለፋና ይካፈልዎ ኸም ዘለዉ ኽንዝንግዕ ኣይግባእን’ዩ። ጐይታና ነቲ ሕሱም መሳደዲ ሳውል፡ “ንምንታይ ንደቀ መዛሙርተይ ትሰጕጐለይ፧” ዘይኰነስ፡ “ንምንታይ (ንኣይ) ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧” ከም ዝበሎ ንዘክር። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ፈታኒ እዋን፡ ምጽንናዕ ብዘይ ስፍሪ ብልግሲ’ዩ ዚወሃበና። ንምድዕዓስ ዚጠቅም ሒደት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ካብ ጓህን ስቓይን ወጺእካ ናብ ሓጐስን ምስጋናን ዜእትው ዕዙዝ ምጽንናዕ የጸግወና። ዓሰርተው ክልቲኦም ሃዋርያት፡ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ብውርደት ተገሪፎም፡ ዝባኖም ደም እናዘዓገ ኽወጹ ኸለዉ፡ ብሓጐስ ተመሊኦም ነበሩ (ግብ 5፡41)። ቅዱስ ጳውሎስን ሲላስን፡ ተገሪፎም ዝባኖም እናደመየ፡ መሓውሮም ምስ ጕንዲ ተጠሚሩ ኸሎ፡ ፍርቂ ለይቲ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ (ግብ 16፡22-25)። ምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስ ከም’ዚ’ዩ ዚገብር። ሰብ ብስቓዩ ብጕድኣቱ ኺሕጐስ ካብ ምኽኣል ዚዓብይ እንታይ ካልእ ተኣምራት ኣሎ!! ብምስጢረ ሜሮን ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ኸሎ፡ ናይ’ዚ ተኣምራት’ዚ ተኻፈልቲ ናይ ምዃን ክብሪ ተዋሂቡና ኣሎ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኢና ንባዕሉ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ዜጕህዮ ሓጢኣትን ከንቱ ጓህን ክንእደብ ዚግብኣና። ቅዱስ ዳዊት፡ “ብምጽንናዕ ክትከብበኒ ኢኻ” ከም ዝበለ፡ ሞት ብዜስዕበልና ከንቱ ዓለማዊ ጓሂ ዘይኰነስ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ምጽንናዕ ተኸቢብና ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግባእ (መዝ 71፡21)። ልባ’ውን ግብራውን ምስክርነትና፦
“ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሐ፡ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።” ዚብል ኪኸውን ይግባእ (መዝ 94፡19)። ምኽንያቱ ህላወን ዕዝዘትን ምጽንናዕ፡ ናይ ህላወ መንፈስ ቅዱስ ግሁድ ትእምርቲ (ምልክት)’ዩ። ንጉስ ሰለሞን፡ “ልቢ እንተ ጐሃየ መንፈስ ይስበር” ከም ዝበለ፡ ንመንፈስና ግዳይ ጓሂ ዘይኰነስ ማሕደር ምጽንናዕ ንግበሮ (ምሳ 15፡13)። መድሃኒት ብዘለዎ ሕማም ኣይንሳቐይ። ብዛዕባ ዓይነት ጓሂና ንጠንቀቕ’ሞ፡ ንምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስ ዚበቅዕ፡ ርሒብ ቦታ ኣብ ልብና ነዳልው። ንመንፈስ ቅዱስ ብዜጕህዮ ጓሂ ንልብና ኣይነጋዕዝዮ። ብደም ክርስቶስ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን መቕደስ ኣምላኽ ናይ ምዃን ክብሪ ኸም ዝተዓደልና ወርትግ ንዘክር!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሰነ 4, 2015 ግዕዝ (11 ሰነ 2023 ፈ [መበል 40 ሰንበት: ቊ.፵፰/48, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ. ፶(፶፩)፡፲,፲፩ "ልበ ንጹሐ ፍጥር ሊተ እግዚኦ። መንፈሰ ርቱዓ ሓድስ ውስተ ከርሥየ። ኢትግድፈኒ እምቅድመ ገጽከ።" ዓዲ፡መዝ.፶(፶፩)፡፲,፲፩ "ወመንፈሰ ቅዱሰ ኢታውፅእ እምላዕሌየ። ዕሥየኒ ፍሥሐ ወአድኅኖተከ። ወበመንፈስ ዓዚዝ አፅንዓኒ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 12፡1-13 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 4፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡1-18 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 14፡12-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ