“ንሱ ይሓልየልኩም’ዩ’ሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።” 1ጴጥ 5፡7
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 26 ክሳዕ መስከረም 25 ዘሎ ጊዜ “ዘመነ ክረምት” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ሰነ 25 ከኣ “በአተ ክረምት (ምእታው ክረምቲ)”’ያ ትበሃል። ምስ ናይ ዓለምና ብዙሕ ምቅይያር ኵነታት ኣየር፡ ብዙሕ ለውጥታት ይረኣይ’ኳ እንተ ሃለወ፡ ነዚ ዘመን ክረምቲ ብዓይኖም ዝረኣይዎን ልክዕነቱ ዜረጋግጹን ሰባት ውሑዳት ኣይኰኑን። ብሓፈሻ’ውን ኣብ ህዝብና፡ “ክረምቲ ኣብ ክፍላ (ፍርቂ) ስነ’ዩ ዚጅምር” ዚብል ኣበህላ ኣሎ። እንተ ዀነ ዓለምና ብሰሪ ሓጢኣትን (መንፈሳዊ ብከላን) ብሰሪ ከባብያዊ ብከላን እምብዛ ትበላሸው ስለ ዘላ፡ ክራማት ሃገርና ኣብ ሓምለ ጀሚሩ፡ ገና ነሓሰ ኸይተፋረቐ እናቋረጸ፡ መነባብሮ ሓረስታይን ኵሉ ህዝብን ከመይ ይጕዳእ ከም ዘሎ፡ ናይ ዓመት- መጸ ትዕዝብትና ይኸውን ኣሎ። ብዝተረፈ፡ ክረምቲ ኣብ ህይወት ሰብን እንስሳታትን ዘለዎ ግደ፡ መለክዕን መግለጽን ዘይርከቦ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ዘመን ክረምቲ፡ ዘመን ህላወ’ዩ” ኬብለና ዚኽእል’ዩ። ቀለብ ዓመትና ዀነ ቀረብ ማይ ዜውሕሰልና፡ ናይ ክረምቲ ዘመን’ዩ። እዚ ኸኣ እግዚአብሔር ብሕያውነቱን ሓልዮቱን ዚህበና’ምበር፡ እዚ ግኡዝ ተፈጥሮ ዚምጥወልና ህያብ ኣይኰነን። ፍጡራቱ ኢና’ሞ፡ ጻድቃንን ሓጥኣንን ከይፈለየ እና’ዝነመ የናብረና ኣሎ (ማቴ 5፡44,45)። ነዚ ዓብይ ግብሪ ሕያውነቱ’ዚ፡ ዝናም ክንስእን ከለና ጥራሕ’ዩ ብመጠኑ ዚርድኣና’ምበር፡ ከም ቍምነገር ርኢና’ውን ንኣምላኽ ክብሪ ኣይንህበሉን ኢና። ናይ’ዛ ንዘመን ክረምቲ ዚኸውን ንባባትን መዝሙራትን ሰሪዓ እተመስግንን እትመርሕን ቤተ ክርስትያን ደቅን ሰዓብትን ከም ምዃንና መጠን፡ ብዛዕባ’ዚ ሕያውነቱ’ዚ ንኣምላኽ ኣዚና እነመስግንን ክብሪ እንህብን ህዝቢ ኽንከውን ምተገብኣና ነይሩ። እንተ ወሓደ ኻብ ሕጂ ንደሓር ግን፡ ብዛዕባ’ዚ ኣምላኽ ዝሰርዓልና ዘመን ክረምቲ ንኣምላኽ ክንውከሎ፡ ከነመስግኖ፡ ንመንፈሳዊ ህይወትና ዚኸውን ሃናጺ ትምህርቲ ኽንቀስመሉ ይግብኣና’ዩ።
ነዚ ምእታው ክረምቲ ዜበስር ዕለት’ዚ፡ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዓልና መዝሙር “ደምፀ እገሪሁ ለዝናብ” ዚብል’ዩ። እግዚአብሔር ብናይ ቃሉ ትእዛዝ ዝናም ከም ዚህብ፡ እዚ ድማ ንድኻታት ሓጐስ (ፍሥሐ)፡ ንጥሙያት ድማ ጽጋብ ከም ዚህብ ብምግላጽ ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብ መዝሙር’ዩ። እቲ ብእኡ መሰረት ዝተሰርዐ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባክ’ውን፡ ንኽረምቲ ዀነ ንሓጋይ ዝፈጠሮምን ዝሰርዖምን እግዚአብሔር ባዕሉ ኸም ዝዀነ ዚገልጽ ናይ ቅዱስ ዳዊት መዝሙር’ዩ። ብርግጽ ከኣ ፈጣር ክረምትን ዝናምን እግዚአብሔር ባዕሉ’ዩ። ክረምትን ዝናምን ናይ ህላወ እግዚአብሔርን ናይ’ቲ ብሓጢኣትና’ኳ ዘይዕንቀፍ ዘየባትኽ ሓልዮቱ ህያው ምስክር’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ምስ ናይ’ዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበኩም፡ ንልብኹም’ውን ብመብልዕን ሓጐስን እና’ጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።” ብምባል ብርሃን ዚኸስት ቃል-ተኣምሮ ተዛረበ (ግብ 14፡17)። ስለ’ዚ ዝናም ኪዘንመልና ኸሎ፡ ማይ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ህላውነቱን ሓልዮቱን ምስክር’ውን ይዘንመና ኸም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግብኣና። እቲ ዝዘነመ ማይ፡ ፈሲሱን ሃፊፉን ኪጠፍእ’ዩ። እቲ ናይ ምስክር ዝናም ግን ኣብ ልብና ንሓዋሩ ዚነብር’ዩ፡ ምስትውዓልና ብሰሪ ሓጢኣት ኪድፈንን ኪጽልምትን ከሎ ግን፡ ነቲ ንምድርና ዘጥለለ ናይ ማይ ዝናም’ምበር፡ ነቲ ንልብና ኼጥልል ዝነበሮ ናይ ምስክር ዝናም ኣይነቕልበሉን ኢና። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ምድርና ለምሊማ ኣብ ዝፈረየትሉ እዋን’ኳ፡ ልብና ጽድቂ ዘይበቝሎን ዘይፈርየሉን ምድረ በዳ ዀይኑ ዚነብር ዘሎ። ቅዱስ ዳዊት፦
“ንእግዚአብሔር ..... ብምሉእ ልበይ አመስግኖ ኣለኹ። ግብሪ እግዚአብሔር ዓብዪ’ዩ፡ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዅሎም ይምርምርዎ’ዮም። ..... ዎ እግዚአብሔር፡ ብግብርታትካ ኣሐጕስካኒ ኢኻ’ሞ፡ ብዛዕባ ተግባር ኣእዳውካ እልል ክብል’የ። ዎ ጐይታይ፡ ግብርኻ ከመይ ዓብዪ’ዩ። ሓሳብካ ኣዝዩ ዓሚቝ’ዩ፡ ዳንደ ኣይፈልጦን፡ ዓሻ’ውን ኣየስተውዕሎን’ዩ።” ብምባል ብዛዕባ’ቲ ኣዘውቲሩ ዚርእዮ ግብርታት እግዚአብሔር ሓጐሱን ኣድናቖቱን ገሊጹ ኣሎ (መዝ 111፡12 ፣ 92፡4-6)። ብዛዕባ’ቶም ብግብርታት እግዚአብሔር ዘይሕጐሱን ዘየስተንትንዎን ድማ፦
“ንግብርታት እግዚአብሔርን ንተግባር ኣእዳውን ኣየስተንትንዎን’ዮም’ሞ፡ ኬፍርሶም ኣይኪሃንጾምን ድማ’ዩ።” ብምባል ሳዕቤን ዘይምስትውዓልን ዘይምስትንታንን ገሊጹልና ኣሎ (መዝ 28፡5)። ሓደ ኻብ’ቲ ኣዚና ኸነስተንትኖን ክንሕጐሰሉን ከነመስግኖን ዚግብኣና ግብርታት ኣምላኽ ከኣ፡ እዚ ኽረምቲ መጸ ዚገብረልና ግብሪ ሕያውነቱ’ዩ። ህዝቢ እስራኤል ንእግዚአብሔር ዝባኖም ኣብ ዝበሃሉ ዘመናት፡ ብዛዕባ’ቲ ብዝናም ክራማት ዚገብረሎም ሕያውነትን ናብዮትን ይፈርህዎን የመስግንዎን ኣይነብሩን። ስለ’ዚ ኸኣ ብስእነት ዝናም ብኸመይ ከም ዚቐጽዖም ብቕዱሳን ነብያቱ የጠንቅቖምን የሰምዓሎምን ነበረ
“ንኣይ ሓዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካ፡ ክሳዕ ትጠፍእን፡ ቀልጢፍካ ኽሳዕ ትጸንትን፡ ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰድደልካ’ዩ። ..... ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማይካ ኣስራዚ ኪኸውን’ዩ። ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ድማ ሓጺን ክትከውን’ያ። እግዚአብሔር ዝናም ምድርኻ ተጐጓን ሓመድን ኪገብሮ’ዩ።” ዘዳ 28፡20,23,24
“ነቲ ትዕቢት ሓይልኹም ክሰብሮ’የ፡ ንሰማይኩም ከም ሓጺን ንምድርኹም’ውን ከም ኣስራዚ ኽገብሮ’የ። ምድርኹም እኽላ ኣይትህብን፡ ኦም ሃገር ከኣ ፍሪኣ ኣይትህብን’ያ’ሞ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ።”ዘሌ 26፡19,20
“እዚ ህዝቢ’ዚ ግና እምቢተኛን ዓላውን ልቢ ኣለዎ፡ ንድሕሪት ይምለሱ’ሞ ጸው (ህልም) ይብሉ። ብልቦም ከኣ፡ “ነቲ በብጊዜኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን ዚህበና፡ ምዱባት ሳምንትታት ቀውዒ’ውን ዝሰርዓልና እግዚአብሔር ኣምላኽና ንፍርሃዮ” ኣይበሉን። ኣበሳኹም ነዚ (ዝናምን ቀውዕን’ዚ) ኸልከለ፡ ሓጢኣትኩም ከኣ ነዚ ጸጽቡቑ ኣኽልኣኩም።”ኤር 5፡23-25
ኣብ ካልእ ብዙሕ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ኣዝዩ ብርቱዕ ሃይለ-ቃል ዘለዎ ዝናም-ጠቀስ መልእኽታት ተጻሒፉልና ኣሎ (ኤር 14፡1-13,19-22 ፣ ኣሞ 4፡6-9)። እግዚአብሔር ብልኡላውን ከኣ’ል ኵሉን ስልጣኑ ዝናምን ፍረን ምስ ዚኸልእ፡ ህይወት ውልቀ ሰብን ህዝብን ከመይ ከም ዚጽልምት፡ ታሪኽ ሃገርናን ጐረባብትናን እኹል መትርዖ’ዩ። ስለ’ዚ ኸም ውሁብ ወሲድና ንግደ ኣምላኽ ከነስተናዕቕ ዘይኰነስ፡ ንእግዚአብሔር ብዛዕባ’ቲ በብእዋኑ ዚሰርዓልና ምዱባት ናይ ክረምትን ቀውዕን ዘመናት ልባዊ ምስጋናን ክብርን ክንህቦ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓመታት ድማ ኣብኡ ብምውካልን ብጸሎት ናብኡ ብምምሕጻንን ንኸኣልነቱን ንልኡላውነቱን ክንእመኖ ይግብኣና። ኣብ ሃገርና ንሃልው ኣይንሃልው ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ ሃገርና ዀነ ብዛዕባ’ታ ዘለናያ ዘዕቈበትና ሃገር፡ ብዛዕባ ዝናምን ቀውዕን ብምጽላይን ብምምስጋንን ከነኽብሮ ተሓታትነት ዘለዎ መንፈሳዊ ሓላፍነት ኣሎና። ሓልዮት፡ ናይ እግዚአብሔር መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። ዘመናት ክረምትን ቀውዕን ከኣ ናይ’ዚ መለኮታዊ ባህርይ’ዚ ግሁድ መግለጺ’ዩ። ነዚ ዜናብረና ዘሎ ሓልዮቱ ኣፍልጦን ክብርን ዘይምሃብ ድማ፡ ኣብ ክርስትያን ውልቀ ሰብ ኰነ ህዝቢ ኺረኣይ ዘይግብኦ ኽሕደታዊ ወስታ (Gestare)’ዩ።
“ንሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ማለት፡ እንታይ ማለት’ዩ፧ ንሓልዮትና ባዕላትና ኽንጾሮን ክንክእሎን እንታይ ኣበሳ ኣለዎ ድዩ፧ ንሓልዮትካ ናብ እግዚአብሔር ምውዳቕ፡ በቲ ናይ እግዚአብሔር ሓልዮታዊ ባህርይ ምትእምማን፡ ኣብ ናቱ ሓልዮት ምውካል፡ እቲ ዘሎካ ሓልዮት ደረቱ ሓሊፉ ኪኸብደካን ኬጨንቐካን ዘይምፍቃድ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ሰብኣዊ ሓልዮት፡ ካብ’ቶም ንመንፈሳዊ ህይወት ዚደቝሱን፡ ንዅሉ ስጋውን መንፈሳውን ዝምድናታትና ዜዕንውን፡ ንሓጢኣትና ዜብዝሑን፡ እግዚአብሔር ዚነዓቐሎምን ዚድፈረሎምን መድረኻት ዜብዝሑ ፈተንቲ ዅነታት ሓደ’ዩ። ንሕና ደቂ ኣዳም፡ ብመልክዕን ምስልን ናይ እግዚአብሔር ስለ ዝተፈጠርና፡ ነዚ ሓልዮታዊ ባህርይ’ዚ ኻብኡ ኢና ተኻፊልናዮ። ስለ’ዚ ሓለይቲ ኽንከውን፡ ምርጫ ዘይኰነስ ግዴታ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ሞ ኸኣ፡ ዘይምሕላይ ማለት እምነትካ ምኽሓድ ማለት ከም ዝዀነ’ዩ ገሊጹልና።
“ሓደ’ኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሓልይ እንተ’ሎ፡ (ንሱ) እምነት ዝኸሓደ ኻብ’ቲ ዘይኣምን’ውን ዝገደደ’ዩ።” 1ጢሞ 5፡8
ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዀነ ብዛዕባ ስድራና ወገናትና፡ መጓሰና ወዘተ ኽንሓይ’ምበር፡ ንቡርን ግቡእን’ዩ። ዘይምሕላይ ግሁድ መንፈሳዊ ዕርቃን’ዩ። ስለ’ዚ ነቶም እግዚአብሔር ብዝተፈላለየ መገዲ ዘዛመደና ሰባት ክንሓልይ ዝተዋህበና ሓላፍነት፡ መንፈሳዊ’ምበር ስጋዊ ኣይኰነን። ዋላ’ቲ ንሓልየሉ ዘለና ጕዳያት ናይ ምግብን ክዳንን ጥዕናን ጕዳይ ይኹን፡ እቲ ሓልዮት ግን እምነታውን መንፈሳውን ጉዳይ’ዩ። ስለ’ዚ’ዩ ነቲ ዘይሓልይ ሰብ፡ ቅዱስ ጳውሎስ እምነት ከም ዝኸሓደ ኣረሚን ሰብ ገይሩ ዝገለጾ።
ሓልዮት ግን ምስ ዓቕሚ ቐጥታዊ ዝምድና ኣለዎ። እግዚአብሔር ኵሉ ዚኽእልን ኵሉ ዚፈልጥን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ንሓልዮቱ ደረት የብሉን። ስለ’ዚ ኸኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዀነ ብዛዕባ ስጋዊ ጕዳያትና፡ ብዛዕባ ናይ ሕጅን ናይ ዘለኣለምን ጕዳያት ብዘይ ደረት ይሓልይ። ንሕና ደቂ ኣዳም ግን ዓቕምናን ክእለትናን ኣዝዩ ድሩት ስለ ዝዀነ፡ ሓልዮትና’ውን ብመጠን ዓቕምና፡ ኣዝዩ ድሩት’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግን፡ ዓቕምና ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ብግብሪ ንፈልጦ ኽነስና፡ ነቲ ሓልዮትና ግን ልዕሊ ደረቱ እምብዛ ንመጥጦን ነዕብዮን። ደረትና ጥሒስናን ደፊእናን፡ ናብ’ቲ መለኮታዊ ሕዛእቲ ንኣትው። እቲ ደረት ምጥሓስና ንርእሱ በደል ክነሱ፡ እቲ ዝተሰከምናዮ ናይ ኣምላኽ ሓልዮት ልዕሊ ዓቕምና ዀይኑ እምብዛ ስለ ዚኸብደና ብርቱዕ ጭንቀት ይፈጥረልና። መንፈሳዊ ህይወትና ይድቈስ፡ እቲ ዘይዓቕምና ምጻርና ዚፈጥሮ ጸቕጢ ድማ፡ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ሰብ ንዘሎና ዝምድናታትና ብኸቢድ ይሃስዮ። እምበኣር ነዚ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ደቛሲ ሓልዮት’ዚ’ዩ፡ “ንሓልዮትኩም ናብ’ቲ ዋናኡን ከኣሊኡን ዝዀነ ኣምላኽ ኣውድቕዎ” ተባሂልና ዝተመዓድናን ዝተኣዘዝናን። “ሓልዮትኩም” ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ናትና ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ፡ ንሕና ባዕላትና ሓልዮትና ስለ ዝገበርናዮ’ዩ። ናይ ብሓቂ ናትና እንተ ዚኸውን’ሞ፡ “ናብኡ ኣውድቕዎ” ኣይምተብሃልናን ኔርና። እግዚአብሔር ከኣ፡ ነቲ ናትና ሓልዮት ባዕላትና እንጾረሉ ጸጋ ደኣ ይህበና’ምበር፡ ነቲ ጾርና ባዕሉ ኣይጾሮን’ዩ። ንሱ ነቲ ባዕሉ ዝወሰኖ ደረት፡ ባዕሉ ኣየፍርሶን’ዩ። ነቲ ባዕላትና ኣልዒልና ዝጾርናዮ ዘይናትና ሓልዮት ግን፡ ናቱ ስለ ዝዀነ ኪቕበለና ፍቓዱ’ዩ። ዘይሓልዮትካ ምሕላይ፡ ደረትካ ዘይምሕላው ሓጢኣት ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣብ ዝባንካ ዝጸዓንካዮ ዘይዓቕምኻን ዘይናትካን ሓልዮት ናብ’ቲ ዋናኡ ምምላስ ድማ፡ ግብረ-ንስሓ’ዩ። ቈልዑ ኺጻወቱ ኸለዉ፡ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ኣቦን ኣደን ገጸ ባህርይ (Character) ሒዞም ኪጻወቱ ኸለዉ ንዕዘብ ኢና። ንሕና’ውን ዘይናትናን ዘይዓቕምናን ሓልዮት ሒዝና ኽንዋሳእ ከለና፡ ልክዕ ከም’ቶም ቈልዑ ዚገብርዎ፡ ናይ ኣምላኽ ገጸ ባህርይ ለቢስና ኽንዋሳእ፡ “ኣምላኽ፡ ኣምላኽ” ክንጻወት ንፍትን ኣለና።
ክብደት ሓልዮት ብኸመይ’ዩ ንመንፈሳዊ ህይወትና ዚሃስዮ፧ እቲ ሓልዮት ገና ኣብ ዝባንና እናሃለወ፡ መንፈሳዊ ጥዕናና ኽንሕልው ኣይምተኻእለንዶ፧ ነቲ ብኣምላኽ ዝተመደበልና ደረት ናይ ሓልዮት ክሳዕ ዘይሓለናዮ፡ መንፈሳዊ ኰነ ማሕበራዊ ጥዕናና ኽንሕልው ኣይከኣልን’ዩ። ምኽንያቱ ባዕሉ’ቲ ዘይሓልዮትካ ምሕላይ፡ ርእሱ ዝኸኣለ መንፈሳዊ ሕማም’ዩ። ደረቱ ዘይሓለወ ሓልዮት፡ ናይ ምጕዳል እምነት ምልክት’ዩ። ኣብ ልዕሊ ኸኣልነትን ልኡላውነትን ሓላይነትን ናይ ኣምላኽ ዘለና እምነት ምስ ዚጐድል፡ ካብ ደረትና ሓሊፍና ዋላ ብዛዕባ’ቲ ዘይንኽእሎ ኸይተረፈ ኽንሓልይ ንጅምር። ዘይባህርያውን ዘይናትናን ሓልዮት ስለ ዝዀነ ድማ ናብ ጭንቀት የጥሕለና። እቲ ጐይታና ኣብ ማቴ 6፡24-34 ሂብዎ ዘሎ ትምህርቲ፡ ዘይሓልዮትካ ምጻር ዜምጽኦ ሳዕቤን ብስእላዊ መገዲ ዚገልጽ’ዩ። ኣብ’ዚ ኣስተምህሮ’ዚ ብዛዕባ’ቶም ናይ ህይወት መሰረታውያን ድልየታት ምሕላይ’ኳ፡ መለኮታዊ’ምበር ሰብኣዊ ሓለፍነት ከም ዘይኰነ ገሊጹልና ኣሎ። ስለ’ዚ ኸኣ፦
“እምበኣርከ 'እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰትይ፡ እንታይ ንኽደን፧' ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ (ኵላቶም ሰባት) ይደልይዎ’ዮም’ሞ፡ ንኣኻትኩም’ውን እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ እቲ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ’ዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ (ኪውሰኸልኩም’ዩ)።”ማቴ 6፡31-33
“ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ’ታ ቝመቱ ሓንቲ እመት (ኪውስኽ) ዚኽእል መን ኣሎ፧ እዚ ቐሊል ነገር’ዚ ምግባር ካብ ዘይከኣልኩምከ፡ ንምንታይ ደኣ ብኻልእ እትጭነቑ፧” ሉቃ 12፡25,26
ነዚ መሰረታዊ ድልየታት’ዚ ኣዚና ኽንጭነቐሉ ዚገብረና፡ ምእንቲ ኸይንመውት፡ ነታ ዘላትና ህይወት ገለ ቝሩብ ዓመታት ምእንቲ ኸነናውሓ’ዩ። እዛ ህይወት’ዚኣ ግን ብኣምላኽ ተዋሂባትና’ምበር፡ ብምብላዕን ብምስታይን ኣየምጻእናያን። እግዚአብሔር “ትጽናሕን ትንዋሕን” ኢሉ እንተ ዘይፈቒዱላ፡ ብምብላዕን ብምስታይን ከነናውሓን ከነጽናሓን ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ዓለምና ብጽጉባቶም ከብዶም ብምሉኡ ዚሞቱ ሰባትዶ ኣይበዝሑን፧ ብሰሪ ምግቢ ናይ ዚሓምምን ዚመውትን ሰብ ቍጽርስ መዓስ ውሑድ ኰይኑ። ቍመቱ ኼንውሕ ኢሉ ዚሓስብ ሓደ’ኳ የብልናን። ምኽንያቱ ዘይንኽእሎ ስለ ዝዀነ። ከም ኣገላልጻ ናይ ጐይታ ግን፡ ቍመትካ ምውሳኽ፡ ዓመታት ህይወትካ ኻብ ምንዋሕ ኣዝዩ ዝቐለለ’ዩ። እቲ ኣብ ሉቃ 12፡13-21 ተገሊጹ ዘሎ ካብ ብእኽሊ ንላዕሊ፡ ብዕሽነት ዝሃብተመ ሰብኣይ፡ ግራቱ ምስ ቀደወሉ’ሞ እኽሉ ምስ በዝሓሉ፡ “ኣቲ ነፍሰይ፡ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ኣሎኪ’ሞ፡ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሓጐሲ፡” በላ። ኣምላኽ ግና፦ “ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኪወስድዋ፡ በዛ ለይቲ’ዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ሃብቲ ደኣ ንመን ኪኸውን’ዩ።” ኢሉ ንዕሽነቱ ኣግሃደሉ። ካብ ከም’ዚ ዚመስል ዕሽነት ንኽንናገፍ ጐይታ ዝገለጸልና ጥበብ፡ ብዛዕባ ስጋኻን ብዛዕባ ምድራውን ጕዳያት ምሕላይን ምጭናቕን ገዲፍካ፡ ብዛዕባ ምግባር ጽድቅን ምእታው መንግስተ ሰማያትን ምሕላይ’ዩ። እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ዝመደበሉ ሓልዮት እዚኣ’ያ። ንሰብ ነዕዋፍ ሰማይን ኵሎም እንስሳታትን፡ ንዅሉ ኣትክልትን ምሕላይን ምንባይን ድማ ኣምላኽ ንርእሱ ዝሓዝኦ መለኮታዊ ሓልዮት’ዩ። ንሕና ግን ነቲ ብኣምላኽ ዝተመደበልና ሓልዮት ደርቢና፡ ነቲ ዘይተዋህበና ሓልዮት ኣልዒልና፡ ንህይወትናን ናብራናን ሓላሊኽና ባዕላትና ኣበላሺናዮ ኣለና። መንፈሳዊ ህይወትና ድማ ተሃስዩን ባይታ ዘቢጡን ይነብር ኣሎ። ስለ’ዚ ነቲ ብሓልዮትና ዘናበርናዮ ዝመስለና ስጋና ድማ ኣስቢሕና ኣስቢሕና፡ ኣብኡ ኺጥበስ ኪነብር ድራር ገሃነም ንገብሮ ኣለና። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ፡ ኣብ’ቲ ሓልዮት ስጋና ዝተዓወትና መሲሉና፡ ነቲ ናይ ህላወናን ምዕዋትናን ናእዳ ወይ ክብሪ (credit) ንርእስና ኢና እንህባ። ሰሪሕና፡ ጽዒርና፡ ተበላሒትና ሳላ ዝሓለይና ክንበልዕ፡ ክንሰትይ፡ ክንነብር፡ ክንህብትም ከም ዝኸኣልና ጌርና ኢና ንሓስብ። ቃል እግዚአብሔር ግና ነቲ ኽውንነት ብንጹር ገሊጽዎ’ዩ።
“እዚኣቶም ኵሎም ምግቦም በብጊዚኡ ኽትህቦምሲ፡ ንኣኻ ይጽበዩ ኣለዉ። ንስኻ ትህቦም፡ ይእክቡ፡ ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ፡ ብጸጋ’ውን ይጸግቡ ኣለዉ። ንስኻ ገጽካ ትኽውል፡ ይስምብዱ፡ ትንፋሶም ተውጽእ፡ ይሞቱ፡ ናብ መሬቶም’ውን ይምለሱ።”
“ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፡ ንስኻ’ውን በብጊዚኡ ምግቦም ትህቦም። ኢድካ ትኸፍት’ሞ፡ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ።” መዝ 104፡27-29 ፣ 145፡15,16
ስለ’ዚ እቲ ናትና ናይ ሓልዮት ተዋስኦ፡ ነቲ ሓቅን ክዉንነትን ንኸይነስተውዕሎ ደኣ ንኣና ይደፍነና ኣሎ’ምበር፡ ነቲ እግዚአብሔር ዝሰርዖን ዝገበሮን ኵነታት ዋላ ሓንቲ ለውጢ ኣየምጽኣሉን’ዩ። ንረክብን ንእክብን እንተ’ሊና፡ ንሱ ኢዱ ዘርጊሑ ስለ ዝሃበ’ዩ። ንሱ ኻብ’ታ ንርእሱ ዝመደባ ሓልዮት ኣይበዀረን፡ ኣየጕደለን ከኣ፡ እንተ ንሕና’ሞ፡ ካብ’ቲ ዝተመደበልና ሓልዮት ስለ ዝበዀርና፡ ኣብ ምድሪ ምስ ጽድቅን መንግስቲ ኣምላኽን ሕቘን ከብድን ኴንና ንነብር ኣለና። ምድራዊ ኽፋሉ ኣዝዩ ንእሽቶ ሰለ ዝዀነ፡ ናይ’ዚ ብኵራትና ሳዕቤን እንታይ ምዃኑ ገና ኣይተፈለጠናን ኣሎ። ኣብ’ታ ዘይትተርፍ ምጽኣቱ፡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዱ ምስ ቈምናን ናብ’ታ መሰክሕ ዝዀነት ዘለኣለማዊት ማሕደርና ምስ ኣተናን ግን፡ ኣኺሉ ኽሳዕ ዚተርፍ ጽቡቕ ገይሩ ኺፍለጠና’ዩ። መወዳእታና ኸነጸብቕ ንደልይን፡ ብዛዕባኡ ድማ ዘይዕጸፍን ዘይንጠዓሰሉን ቈራጽ ውሳነ እንተ’ልዩና፡ ነቲ ዘይምልከተና ሓልዮት-ስጋ ናብ’ቲ ዚምልከቶ ኣምላኽ ንደርብዮ። ነቲ ኸም ጐሓፍ ተጸዪፍናዮን ደርቢናዮን ዘለና፡ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ናይ ምድላይ መንፈሳዊ ሓልዮት ድማ ነልዕሎ። ነቲ ጥዕና ዚህብ ሓልዮትና ደርቢና፡ ብዘይምልከተና ሓልዮት ኣይንሕመም። ነዚ ለካሚና ዕሽነት ተጸዪፍና፡ ነቲ ዜድሕን ብልህነት ንምረጽ። ጐይታና፡ ሓልዮት-ስጋ ንመንፈሳዊ ህይወትና ዚቐትለሉ ክልተ መገድታት ገሊጹልና ኣሎ።
1.ንልብና ይኸብዶ፦
“ግናኸ እታ መዓልቲ (ምጽኣት)’ቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ (ዅሎም) ከም መፈንጠራ ኽትበጽሖም’ያ’ሞ፡ ስሰዐን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይከብድ፡ እታ መዓልቲ’ቲኣ ብድንገት ከይትመጻኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።”ሉቃ 21፡34,35
ነስተውዕል፡ ንሓልዮት ስጋ ልክዕ ምስ ስሰዐን ስኽራንን’ዩ ሰሪዕዎ ዘሎ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንስሰዐ ከም ኣምልኾ ጣኦት ገሊጽዎ ኸም ዘሎ ኣይንዘንግዕ (ኤፌ 5፡5 ፣ ቈሎ 3፡5)። ኣልኮላዊ መስተ እንተ በዚሑ ነእምሮን ሰብነትናን ኣስኪሩ ኸም ዜበላሽወና፡ ሓልዮት ስጋ ድማ ልክዕ ከምኡ ኣበላሽዩ ብምጽኣት ጐይታ እንጕዳእ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይንበቅዕ ሰባት ገይሩ’ዩ ዜነውረና። ስለ’ዚ ንልብና ብሓልዮት ስጋን ብሓልዮት ዓለምን ኣይነኽብደሉን ኣይነዳኽሞን። እታ ኽንከዳ ዝተዳለወትልና መገዲ፡ ፈተና ዝበዝሓ ኣራዊት ዚጓዝሙላ ቀጣንን ነዋሕን መገዲ’ያ። ጾር ዘኽበደ ዚዘልቃ (ዚውድኣ) መገዲ ኣይኰነትን። እቲ ፈኲስን ቀሊልን ንነፍሲ ዕረፍቲ ዚህብን ጾር ሒዝካ ጥራሕ’ያ ብዓወት ትውዳእ (ማቴ 11፡28-30)። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቈረንቶስ፡ ኣብ ዝጸሓፎ መልኽእቱ፡ ሓልዮቶም ምእንቲ ኼጕድሉ፡ ሓዳር ምግባር ኪገድፍዎ ክሳዕ ምምዓድ’ዩ በጺሑ።
“ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ’የ ዝፈትው። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ’ዩ ዚሓልይ። እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም’ዚኣ’ዩ ዚሓልይ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ’ዩ። እታ ዘይተመርዓወት፡ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሓልይ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶ፡ ብናይ እዛ ዓለም’ዚኣ’ያ እትሓልይ።” 1ቈረ 7፡32-34።
በዚ ምኽንያት’ዚ’ዩ ንገዛእ ርእሱ ከይተመርዓወ ብድንግልና ኺነብር ዝመረጸ። “ሓዳር ይትረፍኩም” ዝዓይነቱ ምኽሪ ኺህብ ዝደረኾ’ውን ንሱ’ዩ። ሕመረት መልእኽቱ፡ “ሓልዮት ኣይተብዝሑ፡ ንነፍስኹም ንሓፍዋ” ዚብል’ዩ (1ቈረ 7፡25-31,35 ካ.ት)።
2.ንመንፈሳዊ ህይወትና ይሓንቆ፦
“እቲ ኣብ እሾዅ ዝወደቐ እዚኣቶም’ዮም፥ ስም ሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ’ሞ ፍረ ኣይፈርዩን።” ሉቃ 8፡14 (ማር 4፡19)።
እምበኣር ጐይታ፡ ሓልዮት ስጋ ናይ ነፍሲ እሾዅ ምዃኑ ብንጹር ኣፍሊጡና ኣሎ። ከም’ዚ ናይ ምድሪ እሾዅ ዚወግእ ከይከውን ከኣ፡ ሓኒቑ ዚቐትል ምዃኑ ዝኸፍአ ይገብሮ። እግዚአብሔር ካብ’ዚ ሓደጋ’ዚ ኼድሕነና ስለ ዝደለየ’ዩ፡ ብቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ገይሩ፡ “ሓልዮትኩም ናባይ ኣውድቕዎ፡ ንጾርኩም ናባይ ደርብይዎ፡ ነቲ ኽትጾርዎ ዝመደብኩልኩም ጥራሕ ጹሩ” ዚብለና።
“ንጾርካ ናብ እግዚአብሔር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ’ዩ፡ (ንሱ) ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሓድጎን’ዩ።”መዝ 55፡22
ዘይጾሩ ዚጸውር ሰብ፡ ጥቓ ጽድቂ’ውን ኣይቀርብን’ዩ። ሰንከልከል ዜብል ሓዮትን ጾርን፡ ሓጥእ ሓልዮት’ዩ። ድሕሪ ሰንከልከል ድማ ምውዳቕን ምስባርን ኣሎ። ንቓል ኣምላኽ ከይትእዘዞን ከይትፈርየሉን ስለ ዚገብረካ፡ ኣወዳድቓኻ ኵሉ ጊዜ ዓብዪ’ዩ ዚኸውን (ማቴ 7፡26,27)። ኣዋድቓኡ ዚኽፍአ ድማ መስበርቱ ኸቢድን ዘይጽገንን’ዩ ዚኸውን (ኤር 8፡22 ፣ 30፡12-15)።
እምበኣር ካብ’ቲ ዘይምልከተናን ኣምላኽ ዘይሃበናን ሓልዮት ርእስና ነንጽህ። ሓልዮት-ስጋ ምብዛሕ ኣብ ዓለም “ለባም ትጉህ፡ ብልሂ” የስምየና ይኸውን። ብኣምላኽ “ለባም” ዜስምየና ግን፡ ሓልዮትናን ጾርናን ናብኡ ኣብ ምድርባይ ምስ እንነፍዕ ጥራሕ’ዩ። ንመንፈሳዊ ህይወትና ሓኒቑ ኻብ ዚቐትል፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣት ክፉእ ካብ ዚፈድየና ሓልዮት ርእስና ነድሕን፡ ነፍስና ንንሓፍ። ሓልዮትና ኪቕበል፡ ጾርና ኺጸውር እግዚአብሔር ፈትዩልና ኣሎ’ሞ፡ ነቲ ዚኽእሎ ሂብና፡ ካብ’ቲ ዚጸቕጠናን ዚሓንቀናን ሓልዮት ንነፍስና ነዕርፋ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሰነ 25, 2015 ግዕዝ (2 ሓምለ 2023 ፈ [መበል 43 ሰንበት: ቊ.፶፩/51, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ. ፸፫(፸፬)፡፲፮,፲፯ “አንተ ፈጠርከ ፀሐየ ወወርኀ።ወአንተ ገበርከ አድባረ ወምድር ኵሎ።ክረምተ ወሐጋየ ዘአንተ ፈጠርከ።”
“መዓልቲ ናትካ’ያ፡ ለይቲውን ናትካ’ያ። ንብርሃንን ጸሓይን ገበርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 12፡18-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 5፡1-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 20፡28-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 16፡1-12 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ