S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ኣምላኽ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትዎ፡ ንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽኦም፡ ተጻረርቲ ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ። ዎ ኣምላኽ፡ ቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ ከሎኻ፡ ብበረኻ ኽትሓልፍ ከሎኻ።" መዝ 68፡6-7

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ መበል 14ን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ጽባሕ፡ መስከረም 25፡ ድማ፡ "ፀአተ ክረምት (ምውጻእ ክረምቲ)’ዩ። ጽባሕ ፀአተ ክረምት ድማ፡ ናብ’ቲ ኻብ መስከረም 26 ክሳዕ ሕዳር 5 ዚዝርጋሕ "ዘመነ ጽጌ" (ዘመን ዕንበባ)" ኢና ኽንሰግር። እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ዝተፈላለዩ ዘመናት እናሰርዐ ይናብየናን የንብረናን ስለ ዘሎ፡ ብሓቂ ንእኡ ዚበቅዕ ክብርን ምስጋናን ከነቕርበሉ ይግብኣና’ዩ። “ብዅሉ ፈላጥነቱን ብዅሉ ኸኣልነቱን ተደሪኹ እንተ ዘይናብየና እንታይ ምዀንና፧” ኢልና ኣዕሚቝና ንሕሰብ። ከምኡ እንተ ገበርና፡ ከም’ቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ "ምስናይ’ዚ ኸኣ፡ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበኩም፡ ንልብኹም’ውን ብመብልዕን ሓጐስን እና’ጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።" ዝበሎ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዘመናት ብምስራዕ ዚገብረልና ዘሎ ግብሪ ኽንፈልጦ፡ ናይ ህላውነቱን ናይ ሕያውነቱን ምስክር ምዃኑ ኸኣ፡ ከነስተውዕሎ ኢና። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ መስከረም 24 ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ "መስቀልከ እግዚኦ ተሰብሐ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦ 

‘‘ ኦ ጐይታ ኃይሊ መስቀልካ ኸበረ። ኃይሊ መስቀልካ ንእሱራት ፈትሐ። ኃይሊ መስቀልካ ንለምጺ ኣንጽሀ። ኃይሊ መስቀልካ ኣጋንንቲ ኣውጽአ። ኃይሊ መስቀልካ ምዉታት ኣተንሥአ። ንናይ ሰብ ዕረፍቲ፡ ሰንበት ሠርዐ። ጐይታ፡ መስቀልካ ኸበረ፡ ቃልካ’ውን ኣዝዩ ተኣምነ (እሙን’ዩ)። 

ከም’ቲ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ‘‘ኣነ ሰንበት ንዕረፍቲ ዝሰራዕኩ፡ ጐይታኣ ንሰንበት፡ ኣቦኣ ንምሕረት’የ’’ ዝበሎ፡ እዚ መስቀል’ዚ ረድኤት፡ ነቶም ‘ንኣምን ከኣ፡ ሕይወት፡ ነቶም ዝኸሓዱ ኣይሁድ ግን፡ ስደት’ዩ። 

ብኃይሊ መስቀሉ ተበጀወና፡ ብኃይሊ መስቀሉ ካብ ሞት ኣድሓነና። በታ ሰላማዊትን ኣደ ዅሉን ቅድስትን ጽዮን ዝዀነት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብጥምቀቱ ወለደና።’’ ማለት’ዩ። እዚ መዝሙርና ኣነጺሩልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ሞትን ናይ ጐይታና ትንሣኤን፡ ካብ ኣካላውን መንፈሳውን ሕማም ዜሕውየና’ዩ። ነቲ ነብዪ ኢሳይያስ ዝተዛረቦ ነዚ ናይ ጐይታና ብቓሉን ብናይ መስቀል ሞቱን ትንሣኤኡን ዚገብሮ ግብሪ ሕውየትን ዚምልከት ትንቢቱ፡ ኣብ ማቴ 8፡16,17፣ 1ጴጥ 2፡24 ብኸም’ዚ ዚስዕብ ተገሊጹልና’ሎ። 

"ምሸት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት (ሰባት) ናብኡ ኣምጽኡ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ <ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምና’ውን ጾረ> ዝተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽአ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ፡ ኣሕወዮም።" ማቴ 8፡16,17

"ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ (ኢየሱስ) ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።" 1ጴጥ 2፡24

እዚ ግብሪ ሕውየት’ዚ ንኽልቲኡ፡ መንፈሳውን ኣካላውን ሕውየት ዚምልከት’ኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ግን፡ እቲ ኻብ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ’ንሓውየሉ መንፈሳዊ ሕውየት’ዩ። ምኽንያቱ ስጋና ብተኣምር’ኳ እንተ ተፈወሰ፡ እቲ ምሕዋይ ጊዝያዊ፡ እቲ ሕማም’ውን ደጊሙ ዚኽሰት’ዩ። መንፈሳዊ ሕውየት ግን፡ ባዕላትና ፈቲና ናብኡ (ናብ’ቲ መንፈሳዊ ሕማም) እንተ ዘይተመሊስና፡ ዘለኣለማዊ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ገሊጽዎ’ዩ። ከቢድ ኣካላዊ ሕማም ዘለዎም ሰባት ኬምጽኡሉ ኸለዉ፡ ኣካላዊ ሕውየት ቅድሚ ምሃቡ፡ ኣቐዲሙ "ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ" ብምባል ናይ መንፈሳዊ ሕውየት ቀዳምነትን ኣገዳስነትን የመርእይን የጕልሕን ነበረ (ማቴ 9፡2 ፣ ሉቃ 7፡48,49)። ነቲ ንኣስታት 38 ዓመታት መጽጒዑ ዝነበረ መጻጕዕ ምስ ፈወሶ ድማ፡ "ካብ’ዚ (ዝጸንሓካ ኣካላዊ ሕማም) ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል" ብምባል፡ መንፈሳዊ ሕውየት ተሪፍዎን የድልዮን ከም ዘሎ ኣመልከቶ (ዮሃ 5፡5-15)። ስለ’ዚ ናይ’ዚ ኽቡር ዕለት’ዚ ማእከላይ መልእኽቲ’ምበኣር፡ በቲ ኣብ ስጋኡ ዝጾሮ ሓጢኣትና (መንፈሳዊ ሕማምና)፡ ናብ ምሉእ መንፈሳዊ ሕውየት ምእታውና ኸነረጋግጽ ከም ዚግብኣና ዚገልጽ’ዩ።

እቲ ናይ’ዚ ዕለት ናይ ሉቃ 9፡18-27 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ነፍስ ወከፍና ርእስና ቐቢጽና፡ ገዛእ መስቀልና ኣልዒልና፡ ደድሕሪ’ቲ ስቑል ክርስቶስ ክንስዕብ ዚጽውዕን ዚብድህን ናይ ጐይታና መልእኽቲ ዝሓዘ’ዩ። እቲ ናይ 1ቈረ 2፡1-11 ንባብና ድማ ልክዕ ከም ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዘይካ ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ካልእ ንኸይንደልይን ንኸይንፈልጥን ወሲንና ኣርኣያ ሃዋርያት ክንስዕብ ዚዕድም’ዩ። እቲ ናይ 1ጴጥ 2፡20-25 ንባብና ኸኣ በቲ ናይ መስቀል ቍስሉ ኸም ’ንሓውይን ከም ’ንድሕንን ዜረጋግጸልና’ዩ። እቲ ናይ ግብ 4፡19-30 ንባብ ከኣ ብስም’ቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕዋይ ሕሙማት ኪኸውን ቅዱሳን ሃዋርያት ዝጸለይዎ ጸሎት ዚገልጽ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ምስ’ዚ ናይ መዝ 68፡6-7 ምስባክ ናይ’ዚ መዓልቲ ዝተዛመደ ትምህርቲ’ዩ።

መዝሙር ፷፯(፰)፡ 67(8) ብዛዕባ እንታይ ዝተዘመረ’ዩ፧ መን ዘሚርዎ፧ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ዚዝመር መዝሙር’ከ’ዩ፧ እዚ ምዕራፍ መዝሙር ዳዊት’ዚ መዝሙር ምስጋና፡ ዓወትን ኣብ እግዚኣብሄር እንውከለሉ ትሕዝቶን ዘለዎ መዝሙር’ዩ። ኣርእስቲ’ቲ መዝሙር ከም ዜመልክተና፡ ሊቃነ-መዘምራን እናመርሑ ምእንቲ ኺዝምርዎ፡ ልቢ ኣምላኽ ንጉስ ዳዊት ዝደረሶ መዝሙር’ዩ። ምስ ካልእ መጽሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነነጻጽሮ ኸለና ኸኣ ከም’ቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነቲ ኣቐዲማ ቅድስቲ ሃና ኣደ ነብዪ ሳሙኤል ዝዘመረቶ መዝሙር ተወኪሳ "ታዐብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር. . ." ኢላ ዝዘመረት (1ሳሙ 2፡1-10፣ ሉቃ 1፡46-55)፣ ንሕና’ውን ነቲ ንጉስ ዳዊት ዝዘመሮ መዛሙር እናጠቐስናን እናተጠቐምናን እንዝምር፡ ነቲ ቕዱስ ያሬድ ዝዘመሮ እናጠቐስና እንዝምር፡ ልቢ ኣምላኽ ንጉስ ዳዊት ከኣ ነዚ መዝሙር’ዚ ኺዝምሮ ኸሎ ምስ’ቲ ኣቐዲሞም ነብዪት ዴቦራ ምስ መስፍን ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም ኰይኖም ዝዘመርዎ መዝሙር ብዚመሳሰል ትሕዝቶ’ዩ ዘሚርዎ። ነዞም ዚስዕቡ ጥቕስታት ኣነጻጺርና ነንብቦም መዝ 67(8)፡4 ምስ መሳ 5፡3፣ መዝ 67(8)፡7-8 ምስ መሳ 5፡4-5፣ መዝ 67(8)፡12 ምስ መሳ 5፡30፣ መዝ 67(8)፡13 ምስ መሳ 5፡16፣ መዝ 67(8)፡18 ምስ መሳ 5፡12፣ መዝ 67(8)፡27 ምስ መሳ 5፡14,18።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ካብ’ዚ ምዕራፍ’ዚ ጠቒሱ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ሞቱን ትንሳኤኡን) ዝመሃረሉ ኽፍሊ ንረክብ ኢና (መዝ 67(8)፡18፣ ኤፌ 4፡8)። እዚ መዝሙር’ዚ ኻብ’ቶም ብዛዕባ’ቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር (መሲሕ) ዝዀነ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንቢታዊ መልእኽቲ ዘለዎም መዛሙር’ዩ። ናይ ዓወት መዝሙር ምስጋና ንእግዚኣብሄር ከኣ’ዩ። ህዝቢ እግዚኣብሄር ብኣርባዕተ ናይ ዓወት መግለጺታት ዚዝምሮ መዝሙር ድማ’ዩ። ንሳቶም ከኣ፦

  • እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናባና ይመጽእ (1-6)፡
  • እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቐቅድሜና ይኸይድ (ይወጽእ) (7-18)፡
  • እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ማእከልና ይነብር (19-27)፡
  • እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብንግስነቱ ኻብ ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ኣህዛብን ህያባት ይቕበል (28-35) ዚብሉ’ዮም። 

እዚ ሎሚ ዝቐረበልና ምስባክ እምበኣር፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓውደ-መዝሙር ካብ እተዘመረ ትሕዝቶ’ዩ። ከም’ዚ ድማ ይብል፡

እግዚአብሔር ያኀድሮሙ ለባሕታዊያን ውስተ ቤቱ፤ ወያወፅኦሙ ለሙቁሓን በኀይሉ፤ ከማሁ ለምሩራን እለ ይነብሩ ውስተ መቃብር። እግዚኦ አመሰ ወፃእከ ቅድመ ሕዝብከ፤ . . . ።

እግዚኣብሄር ነቶም በይኖም ዝዀኑ ኣብ ቤቱ የሕድሮም፡ ንእሱራት ብሓይሉ [ሓራ] የውጽኦም፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ መቓብር ኰይኖም መሪር ስቓይ ዚሳቐዩ። እግዚኣብሄር ቀቅድሚ ህዝብኻ ወጻእካ . . . 

ዚብል ቀጥታዊ ትርጕም ከኣ ኣለዎ። 

በይንኻ ምዃንን መንፈሳዊ ማእሰርትን ትርጕሞም እንታይ’ዩ፧ ብምንታይ’ከ ይመጽኡ፧ ሳዕቤኖም’ከ እንታይ’ዩ፧ በይንኻ ምዃን ኢልና ኽንዛረብ ከለና፡ ብዛዕባ ኣካላዊ ጽምዋ ዘይኰንናስ ብዛዕባ’ቲ መንፈሳዊ ዓሚቝ ተነጽሎን፡ ናይ ምጕናይ ስምዒትን፡ መሰረትን መወከስን ቍጽጽርን ዘይብሉ ፋሉል (ስዲ) ምኻድን ኢና እንዛረብ ዘለና። መንፈሳዊ መልእኽቱ ኸኣ ምስ እግዚኣብሄር ዘለካ ዝምድናን ርክብን ኪውሕድ ወይ ኪቋረጽ ከሎ ዚስዕብ ናይ ሰብ ህላዌ’ዩ። እቲ ዜሕዝን ነገር ከኣ ሰብ ምስ እግዚኣብሄር ካብ ዘለዎ ሕብረት እንተ ርሒቑ፡ ካብ ማሕበር ኣምላኽ’ውን’ዩ ዚርሕቕ፡ ካብ’ታ ኣካል ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ከኣ’ዩ ዚርሕቕ፡ እዚ ድማ’ዩ እቲ በይንኻ ምዃን። እዚ ምርሓቕ’ዚ፡ ብኣካል ከይከውን ይኽእል’ዩ፡ ብኣካል እናሃለኻ፡ ብልቦና በይንኻ ምዃን ከኣ ዝኸፍአ መግደራ’ዩ። ኣዳም ብሓጢኣት ካብ እግዚኣብሄር ምስ ረሓቐ፡ ዝነበሮ ህልውና፡ ከም’ዚ ዝበለ በይንኻ ምዃን’ዩ። ታሪኽ ነብዪ ኤልያስ ኣብነት ኪዀነና እንተ ረአና፡ ነቶም ጣኦት ንምምላኽ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዚመርሑ ዝነበሩ 450 ነብያት በዓልን 400 ነብያት ኣስታርተን እግዚኣብሄር ጥራይ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ብዝረትዖም፡ ኢዛቤል ሰበይቱ ንንጉስ ኣከኣብ ከኣ ክትቀትሎ ምዃና ምስ ኣፈራርሃቶ፡ ንእግዚኣብሄር፦ ከመዮ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣሳጢሑ፡ በይኑ ኸም ዝተረፈ መሲልዎ’ዩ "በይነይ’የ ተሪፈ ዘለኹ" ኢሉ ተዛሪቡ (1ነገ 19፡10፣14)።

መንፈሳዊ ማእሰርቲ ምስ እንርእዮ ኸኣ ብሓሳብናን፡ ብሕልናናን፡ ብፍርሃትን፡ ንገዛእ ርእስና ምስ’ቲ ኸሳስ ኣሕዋት ዝዀነ ሰይጣን ኰይንና ኽንከስሳን ክንኵንናን ከለናን እንህልዎ ህላወ’ዩ። ካብ መለኮታዊ ብርሃን እግዚኣብሄር ርሒቕና፡ ናብ’ቲ ሰይጣን፡ ዓለምን ስጋውነትን ዚምንጩ ናይ ኣተሓሳስባና ጸልማት ክንኣትው ከለና ኢና መንፈሳዊ ማእሰርቲ እንብሎ። ናይ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ማእሰርቲ ኣብነት ዝዀነና ኸኣ ሺምዒ ዝተባህለ ወዲ ጌራ ብንያማዊ ሰብኣይ’ዩ። ንሱ፡ ንጉስ ዳዊት ካብ ወዱ ኣቤሴሎም ኪሃድም ከሎ ዝረግሞ ዝነበረ ዀይኑ፡ ድሕር’ቲ እግዚኣብሄር በዪኑሉ፡ ንጉስ ዳዊት ናብ እስራኤል ዝተመልሰሉ ኸኣ ሺምዒ፡ ንምቕባል ንጉስ ዳዊት ወጺኡ፡ "ጊልያኻ ዝበደሎ ኣይትዘክሮ" ኢሉ ብምኽንያት’ቲ ኻብ ኣፉ ተሃዊኹ ዘውጽኦ ቓላት ጸርፍን መርገምን፡ ኣብ ጣዕሳን ስቅቕታን ይነብር ነበረ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጽእ ከኣ ብንጉስ ሰሎሞን ተኸልከለ (2ሳሙ 16፡5-8፣ 19፡16-20፣23፣ 1ነገ 2፡36፣38)። እዚ ኸቢድ ሕሊናዊ ማእሰርቲ’ዩ። በይንኻ ምዃንን መንፈሳዊ ማእሰርትን ብምንታይ ምኽንያት ኪመጹ ይኽእሉ ኢልና ምስ እንሓትት ከኣ ብዙሕ ምኽንያት ኪህልዎም ከም ዚኽእል ርዱእ ኰይኑ፡ ኣዝዮም መሰረታውያን ዝዀኑ ሒደት ካብ’ቲ ብዙሕ ክንጠቅስ፦

ኵርዓት (ትዕቢት)ን ኣብ ርእስኻ ምውካልን፦ "እግዚኣብሄር ኣየድልየንን’ዩ" ኢሉ ዚሓስብ ሰብ፡ ካብ’ቲ "ብገዛእ ርእሰይ ኪድሕን እኽእል’የ፡ ኣነ ናይ ገዛእ ርእሰይ ወናኒ’የ" ኻብ ዚብል ትዕቢት ዝመልኦ ትምኒቱ’ዩ ዚምንጭው። ሽዑ ትምኒት ምስ ጠነሰት ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ኸኣ ንሞት ይወልዶ (ያእ 1፡5)። ሉሲፈር፡ ድያብሎስን ሰይጣንን ኰይኑ ኻብ እግዚኣብሄር ዝዓለወሉ ሓጢኣት እዚ’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ንዘለኣለም ካብ እግዚኣብሄር ርሒቑ ይነብር ኣሎ።

ሓጢኣትን ቍስሊ ሓጢኣትን፦ ልብና ብሓጢኣት ኪቘስል ከሎ፡ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎናን ዘሎ ጋግ የግፍሖ፡ ከልካሊ ቐጽሪ ዀይኑ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ከይንቐርብ ይኽልክለናን ክብሪ ኣምላኽ ከኣ የስእነናን (ሮሜ 3፡23)። ኣቦና ኣዳም ብምኽንያት’ቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝሓጥኦ ሓጢኣት፡ ካብ’ቲ እግዚኣብሄር ኣኽቢርዎ ዝነበረ ኽብሪ፡ ወዲቑ።

እምነት ምጕዳል፦ ኣብ እግዚኣብሄር ዘሎና እምነት ኪጐድል ከሎ፡ ካብ እግዚኣብሄር ንርሕቕ፡ በዚ ድማ በይንና ንኸውን (ማቴ 17፡19-20)። ኣዳም ኣብ እግዚኣብሄር ዝነበሮ እምነት ስለ ዘጕደለ፡ ካብ’ታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም እንተ በሊዑ፡ ከም ኣምላኽ ዚኸውን መሲልዎ፡ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ፍረ እታ ኦም በሊዑ፡ ካብ’ቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ትእዛዝ እምነት ኣጕዲሉ። በዚ ኸኣ ካብ እግዚኣብሄር ርሒቑ፡ በይኑ ዀይኑ።

ገበነኛነትን ሕፍረትን፦ ሕሉፍ ሓጢኣትን በደልን ዜሰክመና ጾር ምስካም፡ ኣብ መንፈሳዊ ማእሰርቲ ኽንነብር ካብ ዚቕስቡና ዅነታት’ዮም። ኣዳም እቲ፡ "ጥራየይ ከኣ’የ’ሞ ተሓባእኩ" ዝበለሉ ምኽንያት እዚ’ዩ። እዚ ኸኣ’ዩ መንፈሳዊ ማእሰርቲ ኣስዒቡሉ (ዘፍ 3፡10)።

ፍርሂ፦- እዛ "ፍርሂ" እትብል ቃል፡ ብኽልተ ገጻት ክንርእያ ንኽእል ኢና። ሓደው እቲ ንእግዚኣብሄር እንፈርሆ ምፍራህ፡ እዚ ማለት ከኣ ንኽፍኣት ምጽላእ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ’ዚ እንዛረበሉ ዘለና ግና እቲ ኻልእ ትርጕማ’ዩ። ንሱ ኸኣ እታ ስቓይ እተምጽእ፡ ካብ ፍቕሪ ዝረሓቐት ፍርሃት’ያ (1ዮሃ 4፡18)። ኣቦና ኣዳም "ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዔ ፈራህኩ" ዝበላ ፍርሂ፡ እዛ ፍርሂ’ዚኣ’ያ (ዘፍ 3፡10)። 

ገለ ኻብ ምኽንያት ንበይንኻ ምዃንን ንመንፈሳዊ ማእሰርትን እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ኪዀኑ ኸለዉ፡ ሳዕቤኖም ድማ ጭንቀትን፡ ቃዝኖትን፡ ጽምዋን፡ ትርጕም ኣልቦነትን፡ ምርረትን፡ ጓህን፡ ጸረ-ፍቕሪ ኣምላኽ ምዃንን፡ ሓጐስን ምልኣትን ዘይብሉ ህይወትን ወዘተ. . . እዮም። ምኽንያቶም ሓጢኣት ስለ ዝዀነ ኸኣ መወዳእታ ሳዕቤኖም ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ (ሮሜ 6፡22-23)። ኣዳምን ሄዋንን ብምኽንያት’ቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብዘይምሕላዎም ካብ ገነት ኤድን እተሰጕጕዎ ዅሉ’ዚ ሳዕቤን ናይ’ቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ከም እተሰምዖም ክንርዳእ ንኽእል።

ኣምላኽ ብኸመይ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትው፧ ብኸመይ’ከ ንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽእ፧ እግዚኣብሄር ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ ኼእትዎ፡ ንእሱራት ከኣ ናብ ራህዋ ኼውጽእ ዝመረጸሉ መገዲ፡ ንወዱ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልኢኹ፡ ስሌና ብዝኸፈሎ ዋጋ’ዩ። እዚ መገዲ’ዚ ኸኣ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዓመት መጸ፡ ሓይልና፡ ጽንዓትናን በጃ ህይወትናን’ዩ እናበልና እንዝክሮ፡ መስቀል’ዩ። ፍቓድ ኣቦኡ ብምልኣት ምእንቲ ኺፍጽም ኢሉ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ከይረኣየ፡ ሰብ ኰይኑ፡ መከራ መስቀል ኪቕበል መረጸ። ብምኽንያት ሓጢኣትን ሳዕቤኑን ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቐ ዘበለ ዅሉ ሰብ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ኣስራዚ ዝሰቐለ እሞ ናብ’ቲ ስቑል ዝጠመተ ዘበለ ዝደሓነ፡ ከምኡ ድማ ናብ’ቲ ስለ’ቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መከራ መስቀል እተዓገሰ፡ ጀማሪ እምነትናን ደምዳሚኣን ዝዀነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጥማት ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ሓራ ኣውጺኡ ናብ ስድራቤት ኣምላኽ ይኣትው። ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ከም ዝበሎም፡ ብምኽንያት’ቲ ርእሱ በጃ ሓጢኣትና ዝወፈየ፡ ብሞቱ ንሞት ዝሰዓረ፡ ብመስቀሉ ነቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ሰባት ዝነበረ ጽልኢ ዝቐተለ፡ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ሓራ ዘውጽአን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ ዓዶም ቕዱሳንን ስድራቤቱ ንኣምላኽን ክንከውን ናይ ምድሓን ደገ ኸፈተልና (ኤፌ 2፡11-20)። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ምስ ኣተወ፡ ኬንብብ ዝሃብዎ ኽፍሊ ትንቢት ኢሳይያስ ከም ’ንዝክሮ፡ ናብ’ዚ ምድሪ ኻብ ዝመጽኣሉ ዕላማታት ሓደ፡ ንእሱራት ምፍታሕ ኪእውጅ’ዩ (ኢሳ 61፡1-3፣ ሉቃ 4፡16-21)። ሰብ፡ ብምኽንያት ሓጢኣት ኪሳቐዮ ዚግባእ ስቓይ ኣብ ነፍሱ ጽዒኑ፡ ብመከራ መስቀል ተሓምሺሹ፡ ንኣና ዚግባእ መቕጻዕቲ ኣብ ክንዳና ተቐቢሉ’ዩ፡ ንሰብ ካብ መንፈሳዊ ማእሰርቲ ሓርነት ኣውጺእዎ (ኢሳ 53፡4-5)። እምበኣርከስ ብምኽንያት ሓጢኣት፡ ብመንፈሳዊ ማእሰርቲ እተኣስረን በይኑ ዝዀነን እንተ’ሎ፡ ናብ’ዚ መስቀል’ዚ ይቕረብ፡ ኣብ ጸጽባሕ መስቀሉ የልዕል፡ ህይወቱ ንጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወፍዩ፡ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ተነሲሑ፡ ግብሪ ዓመጻ ይሕደግ፡ በዚ ድማ ካብ ማእሰርቱ ሓራ ኺወጽእን ናብ ስድራ ኣምላኽ ኪኣትውን ድማ’ዩ (ኢሳ 55፡6-7)።

ኣሰር ጐይታና ኣብ በረኻን ጽምዋ ባድማን ከነስተብህለሉ እንኽእለሉ መገድታት እንታይ ኣሎ፧ ብኸመይ’ከ ደድሕሪ’ቲ ቐቅድሚ ህዝቡ ዚወጽእ እግዚኣብሄር ክንስዕብ ንኽእል፧ ካብ መንፈሳዊ ማእሰርቱ ሓራ ዝወጽአን ስድራቤት ኣምላኽ ዝዀነን ሰብ፡ "ናብ ራህዋ ወጺአ’የ፡ ስድራቤት ኣምላኽ ኰይነ’የ" ኢሉ ጥራይ ነዚ ብጸጋ እግዚኣብሄር እተዋህቦ ህያብ ተቐቢሉ፡ ንሓርነቱን ከም ኣባል ስድራቤት ኣምላኽን ዚበቅዕ ናብራ እንተ ደኣ ኪነብር ዘይክኢሉ፡ ሓርነቱ ዳግም ይውሰዶ፡ ኣባል ስድራቤት ኣምላኽ ካብ ምዃኑ ድማ ይሰዓር’ዩ። ካብ’ዚ ይሰውረና! ህይወትና ኣብ’ዛ ምድሪ፡ ብዙሕ ዝዓይነቱ ውረድ-ደይብ ዝመልኦ ምሕላፍ’ያ ’ትሓልፍ። ብዙሕ በረኻታትን ማእሰርትን ዚመስልን ጽምዋን ጐደናታት ’ንሓልፍ ዘለና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ኣሰር’ቲ ዚመርሓና ጐይታና ኢየሱስ እንስዕበሉ ኽልተ ኻብ’ቲ ብዙሕ መገድታት እምበኣር ኣስዒብና ኽንጠቅስ፡

ቃል እግዚኣብሄር፦ ልቢ ኣምላኽ ንጉስ ዳዊት ከም ዝዘመሮ፡ ቃል እግዚኣብሄር ንእግርና መብራህቲ፡ ንመገድና ኸኣ ብርሃን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ በረኻን ጽምዋን ጐደናታት’ውን ንመገድና የብርህ፡ ንኣና’ውን የብርሃና ስለ ዝዀነ፡ ኵነታትና በቲ እግዚኣብሄር ዚመዝነሉ ዅነታት ምእንቲ ኽንዕቅንን ኣሰር ጐይታና ኢየሱስ ምእንቲ ኽንስዕብን፡ ኣብ ጸጽባሕ ንቓል እግዚኣብሄር ከነንብብ ይግብኣና። ኣብ’ዚ ቓል’ዚ ኣሰር እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንረኽቦ ኢና’ሞ፡ ከም’ቲ ንስጋና ኣብ መዓልቲ እንተ ወሓደ ሰለስተ ጊዜ እንምግቦ፡ ንውሽጥና ድማ በዚ ቓል’ዚ እንተ ወሓደ ሰለስተ ጊዜ ኽንምግብ ሓላፍነትና’ዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ነንብቦ፡ ነስተንትኖ፡ ነጽንዓዮ፡ ብቓልና ንሸምድዶ፡ ከምኡ’ውን ነተግብሮ።

ጸሎት፦ ቤተ ክርስቲያንና ነንመዓልቱ ጸሎተ-ነግህን ጸሎተ-ሠርክን ኢላ እንተ ወሓደ ኣብ መዓልቲ ኽልተ ጊዜ እንጽልየሉ ስርዓት ሰሪዓትልና ኣላ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን "ከየባተኽኩም ጸልዩ" ኢሉ፡ ምቍራጽ ብዘይብሉ መገዲ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታትና፡ ኣብ ምድቃስና፡ ኣብ ምትንሳእና፡ ናብ ስራሕ ኰነ ትምህርቲ ኣብ ምኻድና፡ ኣብ ምምላስና፡ ኣብ ቤትና፡ ወጻኢ ኻብ ቤትና፡ ወዘተ. . . ከየባተኽና ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ቀጻሊ ርክብ (online) ክንህልው ምዒዱና’ሎ (1ተሰ 5፡17)። ጸሎት እቲ ኻልእ ኣሰር ጐይታና ኣብ በረኻን ጽምዋን ጐደናታት ህይወትና እንረኽበሉ መገዲ’ዩ’ሞ፡ ከየባተኽና ንጸልይ።

እዚ ገለ ኻብ’ቲ ኣብ ኣሰር’ቲ ቐቅድሚ ህዝቡ መሪሑ ዚኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስዕበሉ መሰረታዊ መገድታት’ዩ’ሞ፡ እቲ ብእግዚኣብሄር ናብ መስቀል ወዱ ብምቕራብ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ሓርነትን፡ ስድራ ቤት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን እተዋህበና መሰልን ምእንቲ ኽንሕልዎን፡ ንእኡ ብቝዓት ኰይንና ምእንቲ ኽንመላለስን፡ ኣሰር እግዚኣብሄር ኣምላኽና እናሰዓብና፡ ናብ’ቲ ጓሳናን ሓላው ነፍሳትናን ንልገብ፡ ኣብ ሑቕፉ ዀይንና ድማ ንሓርነትናን ኣባልነት ስድራ ቤት ኣምላኽ ምዃንናን ንሓልው።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

4 ጥቅምቲ 2026 | መስከረም 24, 2018 ግዕዝ (መበል 4 ሰንበት)

 ምስባክ

መዝ: 67(68)፡28-29 "ወአጽንዖ እግዚኦ ለዝንቱ ዘሠራዕከ ለነ። ውስተ ጽርሕከ ዘኢየሩሳሌም። ለከ ያመጽኡ ነገሥተ አምኃ።"

ዓዲ፡ መዝ 67(68)፡6-7 "ወያወፅኦሙ ለሙቁሐን በኃይሉ። ከማሁ ለምሩራን እለ ይነብሩ ውስተ መቃብር። እግዚኦ አመሰ ወፃእከ ቅድመ ኵሉ ሕዝብከ።" 

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 2፡1-11

ዲያቆን

1ጴጥ 2፡20-ፍ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 4፡19-30

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 9፡18-27

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘ፫፻ት | መዝሙር፦ መስቀል እግዚኦ ተሰብሐ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div