"ናብ ኢየሱስ ምስ መጹ ግና፡ ድሮ ኸም ዝሞተ ርእዮም መሓዅልቱ ኣይሰበርዎን። ሓደ ኻብ’ቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዅናት ወግኦ። ብኡንብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ። (መሓዅልቱ ዘይሰበርዎ) ኸኣ፡ እቲ "ኻብኡ ሓደ ዓጽሚ’ኳ ኣይኪሰብሩን’ዮም" ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም’ዩ። "እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ’ዮም" ዚብል ካልእ ጽሑፍ’ውን ኣሎ።" ዮሃ19፡33,34,36,37 ካ.ት እ
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ በዓለ መስቀል’ዩ። እግዚኣብሄር ርሑስ በዓል ይግበረልና። ብዓብዩ ዓመት ምሉእ፡ ብፍላይ ከኣ ነዚ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣሳጊሩ፡ ናብ’ዚ ናይ መወዳእታ ንኡስ ዘመንን በዓልን ስለ ዘብቅዓና፡ ክብሪ ንስሙ ይኹን። ዓሚ ኸም’ዚ እዋን፡ “ንዓመታ ብህይወትን ብደሓንን የጽንሓና” ኢልና ተመኒናን ጸሊናንሲ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብሕያውነቱ ንጸሎትና ሰሚዑን ተቐቢሉን ስለ ዝመለሰልና፡ ብሕይወት ዓቝሩ’ውን ናብ’ዛ ኽብርቲ ዕለት’ዚኣ ስለ ዘብቅዓና ብልዑል ሓጐስ ከነመስግኖ ይግብኣና’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 17 (በዓል መስቀል) ክሳዕ መስከረም 23 ዘሎ ሾብዓተ መዓልታት፡ ናይ መወዳእታ ንኡስ ዘመን ናይ ዘመነ ክረምት ኰይኑ፡ “ዘመነ መስቀል” ይብሃል። ዘመነ መስቀል፡ ኵሉ ጊዜ ብበዓለ መስቀል’ዩ ዚጅምር። ብመሰረት ትውፊት ቤተ ክርስትያንና፡ በዓለ መስቀል ዚብዓለሉ ምኽንያት፡ እቲ ኣይሁድ ብጐሓፍ ኢየሩሳሌም ዝቐበርዎን ዝደበይዎን ናይ ጐይታና መስቀል ዝተረኽበሉን ተፋሒሩ ዝወጻሉን ዕለት ስለ ዝዀነ’ዩ። ንግስቲ ኢለን፡ ኣዲኡ ንንጉስ ቈስጠንጢኖስ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ብምኻድ መስቀል ጐይታና ተደልዩ ኺርከብ ኣብ 327 ዓ.ም ትእዛዝ ሃበት። ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኵዕታን ድልያን ድማ መጋቢት 10 ተረኽበ። ንኽብሪ ናይ’ቲ መስቀል ዝሃነጸቶ ቤተ ክርስትያን መስከረም 16 ኪቕደስ ስለ ዝኣዘዘት፡ ብእኡ መሰረት ተፈጺሙ፡ መስከረም 17 ወግዓዊ ናይ መስቀል በዓል ኰነ። በዓለ መስቀል ናይ ደመራ (ዳሜራ) ዕንጸይቲ፡ ሓዊ ብምውላዕ’ዩ ዚኽበር። እቲ መስቀል ምስ ተረኽበ፡ እቲ ብስራት ናብ ከተማ ቍስንጥንጥያ ኸም ዚበጽሕ ንምግባር፡ ካብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ቍስጥንጥንያ ኣብ ዘለዋ ዓድታትን ከተማታትን፡ ናይ ዳሜራ ብርሃን እናወልዑ፡ ነቲ ናይ ብስራት ዜና እና’መሓላለፉ፡ ናብ’ቲ ምዕራፉ ስለ ዘብጽሕዎ፡ ነዚ ታሪኻዊ ፍጻመ’ዚ ንምዝካር ዚግበር’ዩ። ዳሜራ ዚብል ቃል፡ ካብ’ቲ “ደመረ፡ ኣከበ፡ ጸፍጸፈ” ዚብል ሱር ግሲ ዝወጸ’ዩ። እቲ ምኽንያት ኵሉ ሰብ ነቲ ዘምጽኦ ዕንጸይቲ ብሓደ ደሚሩን ደሪቡን ሓዊ ስለ ዘንደደ’ዩ።
ንመስቀል ብኽብሪ ‘ነብዕለሉ ምኽንያት፡ እቲ ኽቡር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ደሙ ዘፍሰሰሉን ዝሞተሉን ስለ ዝዀነ’ዩ። ኣብ መስቀል፡ ብጐይታና ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን፡ ኣዝዩ ዓብይን ክቡርን’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ደጋጊሞም ከም ዝገለጹልና፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዕርቂ ዝተፈጸመ፡ ብሞት ጐይታና’ዩ1።
ጸላእቱ ኸለና ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቐና፡ (ብሞቱ) ኻብ ተዓረቕና ደኣ፡ ብህይወቱ ኽንደይ ኣዚና ዘይንድሕን፧ እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን፡ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና፡ ብኣምላኽ ንምካሕ ኣለና።ሮሜ5፡10,11 ካ.ት
ኣምላኽ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ገይሩ (ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኡን) ሰላም ገበረ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ኸኣ፡ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ። . . . (ኣምላኽ) ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም። ቈሎ1፡20,22 ካ.ት
ብዘይ ምፍሳስ ደም ሕድገት ሓጢኣት (ስርየት ኣበሳ) ስለ ዘይርከብ፡ ደም ናይ’ቲ ስግው-መለኮት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኪፈስስ ኣድለየ 2። በዚ ኽቡር ደሙ’ዚ፡ ናይ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ዓስቢ ሓጢኣት ስለ ዝኸፈለ፡ እግዚኣብሄር-ኣቦ ምሕረት ገይሩ ተዓርቀና፡ ውልድነትና’ውን መለሰልና። መስዋእቲ ናይ ብሉይ ኪዳን፡ ኣብ’ቲ መሰውኢ ናይ ቤት መቕደስ ይፍጸም 12ቈረ5፡18,19 2 ነበረ። መስዋእቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ግን፡ ኣብ መስቀል’ዩ ተፈጺሙ። ኣብኡ ዝተሰውኣልና ኸኣ፡ እቲ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ምዃኑ፡ ብቕዱስ ዮሃንስ ዝተመስከረሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ኣብ መስቀል ምእንታና ዝተፈጸመ ናይ ዕርቂ መስዋእቲ፡ ናይ ብሓቂ ብመንፈሳዊ ኣገባብ ከነብዕሎ ይግብኣና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ ካብ’ዚ ናይ ዮሃ19፡25-37 ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ናይ’ዚ ኣርእስትና መልእኽቲ እንታይ’ዩ፧ መን’ዮም ወጋእቱ፧ ንምንታይ’ዮምከ ወጊኦምዎ፧ ኣርእስትና ንስቕለት ጐይታና ኣመልኪቱ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተነግረ ትንቢታዊ ቓል’ዩ። እዚ ትንቢት’ዚ እግዚኣብሄር ወልድ ብነብዪ ዘካርያስ ዝተዛረቦ’ዩ።
“ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዕው’የ። ንሳቶም ከኣ፡ ንኣይ ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምቱ’ዮም፡ ከም’ቲ (ወላዲ) ንሓደ ውሉዱ ዚበኽየሉ (ገይሮም) ኪበኽዩሉ፡ ከም’ቲ (ወላዲ) ንበዅሩ መሪር ሓዘን ዚሓዝነሉ (ገይሮም) ኣምሪሮም ኪሓዝኑሉ’ዮም” ዘካ12፡10። እዚ ትንቢታዊ ቓል’ዚ፡ ብዛዕባ’ቲ ጐይታና ኣብ መስቀል ዚውግኦ መውጋእቲ ዚገልጽ’ዩ። “መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዕው’የ” ዚብል ዘሎ፡ እግዚኣብሔር’ምበር፡ ሰብ ከም ዘይኰነ ርዱእ’ዩ። እዚ ኣምላኽ’ዚ ድማ’ዩ “ንኣይ፡ ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምቱ’ዮም” ዚብል ዘሎ። እዚ ቓል’ዚ ክልተ ነገር፡ ማለት ኣምላኽነትን ሰብነትን ናይ’ቲ ዚውጋእ ዘሎ ኣካል ዜመልክት’ዩ። ምኽንያቱ መለኮት ኪውጋእ ኣይክእልን’ዩ። ኪውጋእ እንተ ዀይኑ ኺውጋእ ዚኽእል ስጋ ኺህልዎ ናይ ግድን’ዩ። ስለ’ዚ ብውህደት ስጋን መለኮትን፡ ብኢድ ሰባት ኪውጋእ ዚኽእል ኣካል ኰይኑ ከም ዚግለጽ ዜረጋግጸልና ድማ’ምበር፡ ብዛዕባ መውጋእቱ ጥራሕ ዚዛረብ ቃል ኣይኰነን። ምኽንያቱ እቲ ዚውጋእ ዘሎ ሰብ፡ ኣምላኽ ከኣ’ምበር፡ ሰብ ጥራሕ ኣይኰነን። እዚ ቓለ-ትንቢት’ዚ፡ ካብ’ቶም ብዛዕባ ጐይታ ዝተነግሩ ዓበይቲ ትንቢታት ሓደ’ዩ። ልክዕ ከም’ቲ ዝተነግረሉ ድማ፡ ኣብ መስቀል ኣርባዕተ መሓውሩ ብዓበይቲ መሳምር ተወግአ። ዋላ ሞይቱ ኸሎ’ውን ብዅናት ኣብ ጐድኑ ተወግአ። ገና ኸይተሰቕለ ኸሎ፡ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ኣጸቢቑ ኺወግኦን ኣብ’ቲ ርእሱ ኺሽከልን ድማ ብዘንጊ ኣብ ርእሱ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣኽሊል እሾዅ ወቕዕዎ3። ከም ዝሞተ ኣረጋጊጾም ክነሶም፡ ነቲ ጽሑፍ ትንቢት ምእንቲ ኺፍጽሙ፡ ሓደ ዓቀይታይ ኣብ ጐድኑ ብዂናት ወግኦ።
እዚ ትንቢት’ዚ “ነቲ ዚወግእዎ ኺጥምቱ’ዮም” ዚብል ዘሎ ግን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መስቀል ከሎ ዚጥምትዎ ዚምልከት ጥራሕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ እናረኣኻ’ምበር፡ ከይርኣኻ ክትወግእ ኣይክኣልን’ዩ። ስለ’ዚ ነቶም ኣብ ጊዜ ስቕለቱ ዝወግእዎን ዝረኣይዎን ጥራሕ እንተ ዚኸውን፡ ርዱእ ነገር ስለ ዝዀነስ ትንቢት ኪዝረበሉ ኣይመድለዮን ነይሩ። እቶም ዝገረፍዎ፡ ዝሰቐልዎ፡ ዝወግእዎ ዓቀይቲ (ዓስከራት)፡ እንተ በዝሑ ሓደ መስርዕ፡ ሓደ ጋንታ ወይ ሓደ ሓይሊ’ዮም ዚዀኑ። እዚኣቶም ከኣ ንሱ ዝሞያኦም ዓቀይቲ’ዮም። እቲ ትንቢት ግን ቤት ዳዊትን ዓሌት ዳዊትን ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩ ዅሎምን ከም ዚርእይዎ ዚገልጽ’ዩ። ሮማውያን ዓቀይቲ’ምበር፡ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም ንጐይታና ብሰይፍን ብምስማርን ኣይወግእዎን። ንኺውጋእ ብተንኰል ኣሕሊፎም ዝሃብዎ ግን፡ ብርግጽ ንሳቶም’ዮም4። ንኺውጋእን ንኺስቀልን ኣሕሊፎም ምስ ሃብዎ፡ ሓሳቦም ስለ ዝሰመረሎም ብስቓዩ ኺሕጐሱን ኬላግጹሉን ኢሎም፡ ካብ ከተማኦም ወጺኦም ናብኡ ኸዱ። እቲ ተወጊእዎ ዘሎ ያኢ ውሑዱስ፡ በቲ ንኽፍኣት ከም ሰይፊ ዝተሳሕለ ልሳኖምን መሪር ቃላቶምን ገይሮም ብዝኸፍአ ኺወግእዎን ኬሳቕይዎን ወፈሩ5። ጐይታና ኣቐዲሙ ብዛዕባ’ዚ ተግባሮም’ዚ ተዛሪቡ’ዩ።6። ብግብሪ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ተፈጸመ።
ስለ’ዚ እቲ ጐይታና ዝተወግኣሉ ታሪኽ ኣብ መስቀል ኣብቂዑ፡ ዋላ’ቶም ዚጥምትዎ’ውን ነቲ ናይ መስቀል መውጋእቱን ቍስሉን ጥራሕ’ዮም ዚርእዩ ማለት ድዩ፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ዝጸሓፎ’ዩ። እዚ ቕዱስ ሃዋርያ’ዚ ብምኽንያት ሃዋርያዊ ኣገልግሎቱ ኣብ ዕድመ ሽምግልናኡ ጳጥሞስ ኣብ ’ትብሃል ደሴት ተኣሲሩ ኸሎ፡ ጐይታና ኣዝዩ ሰፊሕን መስተንክርን ራእይ ኣርኣዮ። ነዚ ራእይ’ዚ ኸኣ ብዝርዝርን ብንጹርን ጽሒፉ ኣስፈሮ። ንሱ ኸኣ እዚ “ራእይ ዮሃንስ” ዝተሰምየ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ኰይኑ ዘሎ’ዩ። ነዚ ራእዩ’ዚ ኺገልጽ ከሎ፡ ሓፈሻዊ መእተውን ሰላምታን ድሕሪ ምጽሓፉ8፡ ነታ ኻብ ትንቢት ዘካርያስ ጠቒሱ ኣብ’ቲ ዝጸሓፎ ወንጌል ዘስፈራ ትንቢት ዚመስል ቃል፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ጸሓፈ።
“እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ ኣሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎ ኸኣ ኪርእይዎ’ዮም፡ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ’ውን ኪበኽዩሉ’ዮም። እወ፡ ኣሜን”። ራእ1፡7 እዚ ዳግማዊ ትንቢት’ዚ፡ እቶም ዝወግእዎ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኸሎ ዘይኰነስ፡ ብመለኮታዊ ኽብሪ፡ ብደበና ሰማይ፡ ብሊቃናትን ሰራዊትን መላእኽቲ ተዓጂቡ ኺመጽእ ከሎ ኸም ዚርእይዎ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ከም ድኹም ሰብ ኰይኑ ኣብ መስቀል ክትወግኦን ክትርእዮን፡ ብኣንጻሩ እቲ ዝወጋእካዮን ዘላገጽካሉን ሰብ ብመለኮታዊ ኽብሪ ተጋሂዱ ንሰማያትን ምድርን ብረስኒ ሓዊ እና’ምከኸ ኪግለጽ ክትርእዮን፡ ይትረፍ ሓደ ዓይነት ኪኸውን፡ ከተነጻጽሮ’ውን ኣይግባእን፡ ኣይክኣልን ከኣ’ዩ። ኣብ መስቀል ተወጊኡን ተሰቒሉን ምስ ረኣይዎ፡ እምብዛ ስለ ዝነዓቕዎ ሰሓቑን ኣላገጹን። ምስናይ ቍስሉ ብኽብሪ ኪግሃድ ምስ ረኣዩ ግን፡ ኪበኽዩ ጀመሩ። ዜብክዮም ዘሎ ድማ ስለ ዝደንገጹሉ ኣይኰነን። ዕሽነቶምን ሳዕቤን ናይ’ቲ ተግባሮምን ስለ ዝተራእዮም’ዩ። ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን ኣብ ማእከሎም ከሎ፡ እዚ መለኮታዊ መንነቱን ክብሩን’ዚ ኣይተራእዮምን ነይሩ። ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ግን፡ እቲ ዝወግእዎ መን ምዃኑ ተጋህደሎም። ስለ’ዚ ነብዪ ዘካርያስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገሊጹሉ ኺንበይ ከሎ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ዚኸውን ምርኣይን ምጥማትን’ዩ ዝተዛረበ’ምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መስቀል ዚፍጸም ምጥማት ጥራሕ ኣይኰነን።
ወጋእቲ ክርስቶስ ግን ብዓል መን’ዮም፧ ክርስቶስ ብሰይፊ ወይ ብዅናት ጥራሕ ድዩ ዚውጋእ፧ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ብዛዕባ’ቲ ዝተወግአ ክርስቶስ ዚበኽዩሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ’ዩ፧
ብርግጽ ንክርስቶስ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብ መስቀል ዝወግእዎ፡ ሒደት ሮማውያን ዓቀይቲ (ወተሃደራት)’ዮም። ናይ’ዚ መውጋእቲ’ዚ መሰረታዊ ጠንቂ ግን፡ ሓጢኣት ደቂ ኣዳም’ዩ። ስለ’ዚ ንክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝሰቐሎን ዝወግኦን ሓጢኣትና’ምበር፡ ምስማርን ኲናትን ኣይኰነን። እቲ ቕዱስ ጽሑፍ’ውን፦ “ኵላትና ኸም ኣባጊዕ (ፋሕ በልና፡)፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘንበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣበሳ ዅላትና ናብኡ ኣውደቖ፡ ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ። ንሕና’ውን ብስምብራቱ (ብመውጋእቱ) ሓወና”። ብምባል ኣረጋጊጹልና’ዩ9። ኣብ ምልእቲ ዓለም ዘሎ ዅሉ ፍጥረት ሰብ፡ ብሓጢኣቱ ስለ ዝወግኦን ስለ ዝሰቐሎን ከኣ’ዩ፡ ነቲ ዝወግኦ ምስ ረኣየ መሪር ብኽያት ዚበክይ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሓጢኣት መርዛምን ቀታልን ብልሒ ምዃኑ፦
“ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት’ዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣት’ውን ሕጊ’ዩ”። ብምባል ገሊጹልና ኣሎ10። ስለ’ዚ ናይ ሰብ ሰይፍን ኲናትን ሓጺን ኪኸውን ከሎ፡ ናይ ሰይጣን፡ ናይ መልኣከ ሞት፡ ኲናት ድማ ሓጢኣት’ዩ። ንዅላትና ሓጢኣት ክንገብር ዚደፍኣናን ዜስሕተናን ድማ፡ በዚ ሰይፉ’ዚ ወጊኡ ብዘለኣለማዊ ሞት ምእንቲ ኼጥፍኣና’ዩ። እቲ ምንጪ ህይወትን ኣቦ ዘለኣለምን ዝዀነ ጐይታና ኣብ መስቀል ብስጋ ዝሞተ፡ ብብልሒ ሓጢኣትና’ምበር፡ ብብልሒ ዂናትና ኣይኰነን። ንሓጢኣት ዘለኣለማዊ ስቓይን ሞትን ዝተፈርደሉ ምኽንያት፡ ነቲ ጐይታ-ጐይቶትን ንጉሥ- ነገሥታትን ኣምላኽ-ኣማልኽትን ዝዀነ ጐይታና ዝወግአን ዝቐተለን ሰይፊ ስለ ዝዀነ’ዩ። ሎሚ በዒንቲ ስጋ ጥራሕ ስለ ’ንርእይ፡ ብልሕን መርዛምነትን ናይ ሓጢኣትና ፈጺሙ ኣይርኣየናን’ዩ። ብትንሣኤ ሙታን፡ ዘይመውት ዘይብስብስ ስጋ ሒዝናን ተለዊጥናን ምስ ተንሣእና ግን፡ ብዘየጠራጥር መገዲ ነጺሩ ኺርኣየና’ዩ። ሽዑ እቶም ከይተነሳሕና ሓጥኣን ኴንና ሞት ዘርከበና ሰባት፡ ንዘለኣለም ብዘይእበድን ምጽንናዕን ዕረፍትን ብዘይርከቦ መጠን ክንበክይ ኢና።
ቅዱስ ጳውሎስ በዚ ዝጠቐስናዮ ጥራሕ ከይተደረተ፡ ሎሚ ክርስትያን ድሕሪ ምዃንና ዚፍጸም ኵሉ ሓጢኣት፡ ንክርስቶስ ደጊምካ ናይ ምስቃል ጨካን ተግባር ምዃኑ፡ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ።
“እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን (ወንጌል) ዝበርሃሎም፡ ነቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ’ውን ዝዀኑ፡ ነቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ ናይ’ታ ’ትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ (ብሓጢኣት) እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ፡ ብግህዶ’ውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ብንስሓ ኪሕደሱ ኣይክኣሎምን’ዩ። እታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ፡ ነቶም (ንረብሓኦም) ዚሓርስዋ (ሰባት)፡ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ’ያ። እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቕፍትን ጥቓ መርገምን’ያ፡ መወዳእታ’ውን ምንዳድ’ዩ”።
እብ6፡4-8 “ስለ’ዚ ኸኣ (ብወንጌል) ፍልጠት-ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ (ገበርቲ ሓጢኣት) ’ትበልዕ (ሓዊ ቕንኣትን) ኪኸውን’ዩ’ምበር፡ ደጊምሲ ምእንቲ ሓጢኣት ዚስዋእ (ካልእ) መስዋእቲ የልቦን። . . . (ሓጢኣት ብምግባሩ) ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋ’ውን ዝጸረፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧” እብ 10፡26,27,29 እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ንሕሰም ሓጢኣት ብስእላዊ መገዲ ዜርእይ፡ ንዝዓወራ ኣዒንቲ ዚኸፍት፡ ንዝደንዘዘ ድቃስ-ሞት ንዝደቀሰ ሕልና ዜነቓቕሕ’ዩ። በቲ ሓጢኣትካ ንኼርሕቕ በጃኻ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ’ትኣምን ክርስትያን ክነስኻ፡ እናፈለጥካ ፈቲኻ ብምርጫኻ ሓጢኣት ምዝውታር፡ ንክርስቶስ ጐይታኻ ዳግማይ ምስቃል፡ ነቲ ቐዳሲ ደም-ኪዳን ምርካስ፡ ነቲ ብምስጢረ ሜሮን ዳግም ዝወለደካን ውህበት ጸጋ ዝዓደለካን መንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ ማለት እንተ ዀይኑ፡ ማዕረ ኽንደይ መሰክሕን ኣሰቃቕን በደል ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ንመድሓኒኻ ኻብ ምቕታል ዚኸፍእ እንታይ ካልእ ኣበሳ ኺህልው ይኽእል፧ ኣቦኡ ዘፍለጠ ግሁድ ጸላኢ ዄንካ እንተ ትወግኦ ብዙሕ ኣይመሰክሐን ነይሩ። “ፈታዊ’የ፡ ሰዓቢ’የ፡ ክርስትያን’የ” እናበልካ ምውጋእን ምቕታልን ግን፡ መግለጺ ዘይርከቦ ነቲ ስዉር መንነትካ ዚቐልዕ ውርደተኛ ተግባር’ዩ። መብዛሕትና ንሓጢኣትና በዚ ኽፉእ መልክዑ’ዚ ኣይንፈልጦን ኢና። አረ ገሌናስ ከም ዋዛ፡ ኸም ጸወታ፡ ከም ሜላ፡ ኸም ጥበብ ኢና ’ንርእዮ። ንኸም’ዚ ዝበለ ዕሽነት፡ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰለሞን፦
“(ሓጥኣን) ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፡ ብቔናን ነገር’ውን ባህ ይብሎም። . . . ንዓሻ ኽፉእ ምግባር ዋዛኡ’ዩ፡ . . . እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ። . . . (ሓጢኣት) ነቲ ልቢ ዘይብሉ ሰብ ደስታ’ዩ። . . . ምህዞ ዓሻ፡ ሓጢኣት’ዩ”። ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ11። ሓጢኣት ግብሪ-ዕሽነት ምዃኑ ብዝያዳ ንጹር ኰይኑ ዚግሃድ፡ እቲ ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ናይ ዕንጸይቲ መስቀል ተሰቒሉ ናይ ውርደት ሞት ዝሞተ፡ ዕለት መጸ ድማ ብሓጢኣትና ኺውጋእ ዚነብር ዘሎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብዳግማይ ምጽኣቱ ብኽብሪ መለኮት ተጋሂዱ ኣብ መንበር ፍርዲ ምስ ተቐመጠ’ዩ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ብኢዶም ኣብ ናይ ዕንጸይቲ መስቀል ዘይሰቐልዎ ኽነሶም፡ ብሓጢኣቶም ንመን ይወግኡ፡ ምስ መን ይገጥሙ ኸም ዝነበሩ ስለ ዚርኣዮም፡ ከም’ቲ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ገሊጹልና ዘሎ፡ መሪር ብኽያት ኪበኽዩ’ዮም። እቲ ለባም ክርስትያን ግን፡ ነቲ ናይ ሓጢኣት ሰራም ሳዕቤን ግርም ገይሩ ስለ ዚፈልጦን ንሓጢኣት ስለ ዚጽየፎን፡ ምስ’ቶም ዚሕጐሱን ዚዕልሉን’ዩ ዚስራዕ12።
ብኸመይ ኢና ኻብ’ዚ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን’ዚ ኽንድሕን ’ንኽእል፧ ከይሓጣእካ ኺንበርዶ ይክኣል’ዩ፧ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ዕላማ ናይ’ዚ ’ነኽብሮ ዘለና ቕዱስ በዓልን ዕላማ ናይ’ቲ ኽንነብሮ ዚግብኣና ክርስትያናዊ ናብራን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። “ንሓጢኣት መዊትናስ፡ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ (ኢየሱስ) ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ (ኣብ መስቀል) ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም”። 1ጴጥ2፡24 እዚ ዕላማ’ዚ ድማ፡ ናይ ቅዱስ ወንጌል ኰነ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ቀንድን ማእከላይን መልእኽቲ’ዩ13። ጐይታና ምእንታና ኣብ መስቀል መሪር ስቓይን ውርደትን ተቐቢሉ ዝሞተ፡ ንሕና ንሓጢኣት ምዉታት፡ ንጽድቂ ግን ህያዋን ኴንና ምእንቲ ኽንነብር’ዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ሓጢኣት ምግባር ክንጸልእ፡ ክንጽየፍ፡ ክንኣብይ፡ ክንዋግኦ፡ ንጽድቂ ግና ኸነፍቅሮ፡ ኽንናፍቖ፡ ኽንመርጾ፡ ኽንእዘዞ፡ ክንግዝኦ ማለት’ዩ። ካብ ሓጢኣትን ካብ’ቲ መሪር ሳዕቤናቱን ’ንናገፈሉ ኻልእ ጥበብ የብልናን። እዚ ኸኣ ሰብ ዝመሃዞ ዘይኰነስ፡ እግዚኣብሄር በቲ ዘይምርመር ኣእምሮኡ ዝመኸረልናን ዝሰርዓልናን ጥበብ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ንሰብ ዝተሰርዓሉ መለኮታዊ ጥበብ’ዚ፦
“እቶም ናይ ክርስቶስ (ዝዀኑ ዅላቶም) ከኣ ነቲ ሥጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም”። ብዚብል ሃይለ-ቃል ገሊጽዎ ኣሎ14። ንሓጢኣት ምዉታት ንጽድቂ ግና ህያዋን ምዃን ማለት፡ ንክርስቶስ ኣብ መስቀሉን መከራኡን ምሕባር፡ ምስ ክርስቶስ ምስቃል ማለት’ዩ። ገበርቲ ሓጢኣት፡ ሰቐልትን ወጋእትን ናይ ክርስቶስ’ዮም። እቶም ንሓጢኣት ተሓሲሞም ጽድቂ ጥራሕ ዜዘውትሩ ብልህታት ግን፡ ንክርስቶስ መሳቕልቱን መኻፍልቲ ጸበባኡን ዝዀኑ ሕያዎት ሰባት’ዮም። እቲ ኻብኣቶም ተወርዊሩ ዚወግእ ቀስቲa ሓጢኣት ነቲ መድሓኒኦም ምእንቲ ኸይወግኦን ከይሳቕዮን፡ ባዕላቶም ነቲ ሓጢኣቶም ይዋግእዎን ይቐትልዎን። ድኹም ስጋ ዝለበሱ ፍጡራት ከም ምዃኖም መጠን፡ ፈትዮምን መሪጾምዎን ዘይኰነስ፡ ልዕሊ ዓቕሞም ብዝዀነ ምኽንያት ናብ ሓጢኣት እንተ ወደቑ ድማ፡ ሓቀኛን ልባውን ንስሓ ብምፍጻም፡ በቲ ንኣመንዝራ’ኳ ናብ ድንግል ዚልውጥ ደም ክርስቶስ ተሓጺቦም ይነጽሁ። ነቲ ብሓጢኣቶም ዝወግእዎን ዘቝሰልዎን ክርስቶስ፡ ብንስሓኦም ይዝንንዎን ይኽሕስዎን። ጐይታና ድማ፡ ካብ በቲ ዘይሓጥእ ጻድቕ ንላዕሊ፡ በቲ ሓጢኡስ ብንስሓ ዚጸድቕ ሰብ ኣዕዚዙ ኸም ዚሕጐስ ኣብ’ቲ "ምስላ ጥፉእ ወዲ" ዘርእስቱ ምስላኡ ኣነጺሩልና’ዩ15። እንተ ብተኣድቦና እንተ ብንስሓና፡ ወጋእትን ሰቐልትን ናይ’ቲ መድሓኒና ዄንና ኸይንርከብ ጥራሕ ንጠንቀቕ። እዚ እንተ ገበርና፡ ነቲ ሕሉፍ ታሪኽ ናይ ስቕለቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ንምልእቲ ዓለም ዜሰቅቓን ዜርዕዳን ምጽኣቱ’ውን፡ ብኽብርን ብሓጐስ ክንጽንብሎ ኢና።
እቲ ሓቀኛ ንበዓለ መስቀል ዜብዕል ክርስትያን፡ እቲ ናብራ-መስቀል ዚነብር ክርስትያን ጥራሕ’ዩ። እቲ ንሓጢኣት ዋዛኡ፡ ደስታኡ፡ ዕላሉ፡ ጥበቡ፡ ምህዞኡ ዝገበሮ፡ ብኣንጻሩ ኸኣ ኣውደኣመት (ዓውደ ዓመት) ኣብ ምብዓል ጥራሕ ዚግደስን ዚተግህን ክርስትያን ግን፡ የብዕል ዘይኰነስ የላግጽ ከም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግባእ። ዓመት ምሉእ ተገቲርካ ኣንጻር ናይ’ቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ክትነብርን ክትዋጋእን ጸኒሕካስ፡ ናይ ሓንቲ ዕለት በዓል ስለ ዘብዓልካ ጥራሕ ንርእስኻ ከም መኽበር መስቀል ክርስቶስ ምቝጻር፡ በቲ ዝተሰቕለ ጐይታ ዀነ በታ ሰብነቱ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ምልጋጽ’ዩ።
ስለ’ዚ በዓለ-መስቀል ኣብ ’ነብዕለሉ ዓመታዊ ዕለታት፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ምጽኣቱ ድማ’ምበር፡ ነቲ ሕሉፍ ታሪኽ ስቕለቱ ጥራሕ ኣይንሕሰብ። ብምጽኣቱ ሓጐስናን ክብረትናን’ምበር፡ ስቓይናን ብኽያትናን ምእንቲ ኸይበዝሕ፡ ሕጂ ኻብ ደምበ ወጋእቲ ሃዲምና ነምልጥ። ንሓጢኣት ዚጽየፍ ንጽድቂ ዜፍቅር ናብራ-መስቀል ንንበር። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕና ናብራ-መስቀል ምእንቲ ኽንነብር ከም ዝተሰቕለ፡ ዕለት መጸ ንዘክር። ንቓል መስቀል ጥበብናን ሓይልናን ንግበሮ’ምበር፡ ብቓል መስቀል ዚፍረዶም ዓያሱ ኣይንኹን። ንበዓለ መስቀል መዓልቲ መጸ ኣብ ናብራና ነኽብሮ’ምበር፡ ከም ዑፍ መስቀል ዓመታውያን ጸንበልቲ ምዃን ኣይንምረጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
27 መስከረም 2026 | መስከረም 17, 2018 ግዕዝ (መበል 3 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: 60 : 3 - 5 / መዝ ፶፱ : ፫ - ፭ ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፤ ከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት፤ ወይድኀኑ ፍቁራኒከ። ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ ከምእዉን ካብ ቅድሚ ፍላጻ ንኽድሕኑ፤ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም። |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| 1ቆሮ 1 : 17 - ፍም |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 4 : 1 - 11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 24፡22-32 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማር 8 : 27 - ፍም |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ዝንቱ ውእቱ መስቀል |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ