"ነዚ ዳሕራይ ድማ ኽንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ’ዩ። ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን’ዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ’ያ፧" ማቴ 20፡14-15
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ 3ይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌ’ዩ። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ጥቅምቲ 10 ኽሳዕ ጥቅምቲ 16 ኣብ ዘሎ ንኡስ ዘመን ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "ወመኑ መሓሪ ዘከማከ" ዘርእስቱ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ብዛዕባ ምሕረት እግዚአብሔር ክንምሃርን ከነስተንትንን ከነመስግንን ዝተሰርዓልና "ዘመነ-ምሕረት’ዩ"። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ፦
“ከማኻ መሓሪ መን’ዩ፧ ከማኻ መሓሪ መን’ዩ፧ ምስ ኖህ ኺዳን ኣቘምካ። ምስ ኖህ ኪዳንካ ኣቘምካ። ንደቂ እስራኤል መና ኣውረድካ። ንደቂ እስራኤል መና ኣውረድካ። ንምድሪ ብዕንበባታት ሰለምካ፡ ብዕንበባታት ንምድሪ ሰለምካ፡ ጽባቐ ገዳም’ውን ምስ ቅዱሳንካ ኣሎ። መታልሑ ከም ናይ በጽሒ እራብ’ዩ። እቲ ጥዑም ጐረሮኡ ምስ ናይ ጤለቤዱ ይመሳሰል። ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ፈጠርካ። ፀሓይን ወርሕን ኣዳሎኻ። ንሰማያት ብኸዋኽብቲ ኸለልካ፡ ንምድሪ ብዕንበባታት ሰለምካ። ንሰንበት ቀደሳ ኣኽበራ ኣዕበያ፡ ካብ ኵለን መዓልታት ልዕል ኣበላ።
እንሆ ዕንበባ ተራእየ። መርዓቱ ድማ፡ "ወልድ ሓወይ ከም ከርበ ይጥዕም" ትብል። ነብይ ዕንባቆም፡ "ናይ ወልድ ስነ ምግባር ኣድነቕኩ" ይብል። ኦ ንጉሥ ሰላም ክርስቶስ ልዕልናኻ ዓብዪ፡ ክብርኻ ድማ፡ መስተንክር’ዩ። ንዕረፍቲ ሰንበት ሠራዕካ።”
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክና’ውን፡ እግዚአብሔር ብምሕረቱን ርሕራሔኡን ገይሩ ንህዝቡ ኸም ዚምግብን ኪዳኑ እናዘከረ ኸም ዜናብርን ዚገልጸልና’ዩ። ናይ ሮሜ 11፡13-28 ንባብና ድማ፡ ኣብ’ቲ መደምደምታ ናይ’ቲ መልእኽቲ ኸይበጽሐ ደኣ ተዀሊፉ’ምበር፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኣይሁድን ኣህዛብን ብኸመይ ዝበለ ጥበብ ንምሕረቱ ኸም ዘግሃደ ኣነጺሩልና ኣሎ (ሮሜ 11፡30-32)። እቲ ናይ ግብ 7፡23-60 ንባብና’ውን፡ ብዛዕባ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ብነብዪ ሙሴ ገይሩ ዘግሃዶ ምሕረቱ ዚትርኽ’ዩ። እቲ ናይ ማቴ 20፡1-16 ናይ ጐይታና ምስላ ድማ፡ ናይ ጐይታ ሕያውነትን ምሕረትን ዜግህድ’ዩ። ሓንቲ ሰዓት ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታቱ ምሉእ መዓልቲ ናይ ዝሰርሐ ሰብ ደሞዝ ኪህብ ዝደረኾ፡ እቲ መግለጺ ኣልቦ ምሕረቱን ሕያዋይነቱን’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ትሕዝቶ፡ ነቲ ብዙሕ ገጻት ናይ ምሕረቱ ግሩም ገይሩ ዜርእይ’ዩ።
"ከማኻ መሓሪ መን ኣሎ፧" እግዚአብሔር ነዚ ብብዝሒ ኣበሳ ዝተዋሕጠ ወዲ ሰብ ብምሕረቱ’ዩ ዚጾሮን ዜናብሮን። ሰብ ኣብ ገጽ ናይ’ዛ ምድሪ ብህይወት ኪነብር ዜኽእሎ ዘሎ፡ ምሕረት እግዚአብሔር ጥራሕ’ዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ዀነ ስጋዊ ድልየታትና ዚሓልይን ዚህበናን፡ እቲ መሓሪ ባህርዩ ስለ ዝደረኾ’ምበር፡ ስለ ዚግብኣና ኣይኰነን (ድጕ 3፡22)። ምሕረቱ እናዘከረ ንህዝቡ ኸም ዚቕበሎን ከም ዚናብዮን’ውን ኵላቶም ቅዱሳን ተኣሚኖምዎ’ዮም (ሉቃ 1፡50,54,55፣ መዝ 103፡11-13,17፣ ዘጸ 20፡6)። ምሕረት ኣምላኽ ብዝለዓለ ደረጃ ዝተጋህደ ድማ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ምእንቲ ድሕነትና ርእሱ በጃ ብምሃቡ፡ ንምሕረትን ጸጋን ናይ ኣምላኽ ናብ ልዕሌና ኣውሓዞ (ቲቶ 3፡5፣ 1ጴጥ 1፡3,4 ፣ ኤፌ 2፡3-5)። ስለ’ዚ ኸም’ቲ መዝሙርና መሪሑና ዘሎ፡ ነዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ "ዘመነ ምሕረት" ንኡስ ዘመን፡ "መን’ዩ ኸማኻ መሓሪ፧" እናበልና፡ ብኣስተንክሮ ኸነኽብሮን ክንውድሶን፡ ክንዝንግዖ ዀነ ክንጐስዮ ዘይግብኣና መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ዚ ናይ ማቴ 20፡1-16 ንባብና ዝተወስደ ትምህርቲ’ዩ።
ከም እግዚኣብሔር ዝበለ ምሕረተኛ/መሓሪ መን ኣሎ፧ በይኑ ንሱ ጥራሕ’ዩ እንተ ተባህለኸ፡ መልስና እንታይ ይኹን፧
እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ንህዝቢ እስራኤል ካብቲ መሪር ባርነት ሓራ ኸውጽኦም ኢሉ፡ ንሙሴ ከም ዝለኣኸሎም፡ ንኣናውን ከምኡ ኻብ ናይ ሓጢኣት ባርነት ሓራ ኼውጽኣና ኢሉ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልኡኹልና’ሎ።
“ሰብ ብሓጢኣት ወዲቑ፡” ኪበሃል ከሎ፣ ንሰብ፡ እግዚኣብሔር ብልዑላውነቱ ዝሃቦ ትእዛዝ ተጣሒሱ ማለት ምዃኑ ኣይንስሓቶ። ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን ኣነኣኢስና ኽንርእዮ ኣይግብኣናን። እዚ ጥሕሰት’ዚ ዜኽፍሎ ዋጋ ንምግማቱ፡ ኣብ ልዕሊ መን ከም ዝተፈጸመ ምምርማርን ምፍላጥን፡ ክንርሰዖ ዘይግባእ ሕማቕ ትራጀዲ ምዃኑ ድማ ኣይንዘንግዕ። ሓደ በዳሊ፡ ንተራ መዋዕልቱ ዚብድሎ በደልን፡ ንኻልእ ብዓል ስልጣን ዚብድሎ በደልን፡ ሚዛን’ቲ በደል ሓደ ኸም ዘይኰነ ኵልና ’ንፈልጦ ሓቂ’ዩ። ተኸሲሱ እንተ ተፈርደ’ውን፡ እቲ ዚፍረዶ ፍርዲ (ዚኸፍሎ ዋጋ) ተመሳሳሊ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍ ተበደልቲ ማዕረ ዚገብሮም፡ ሰብ ምዃኖም’ኳ እንተ ዀኑ፡ ዘለዎም መዓርግ ኣብ ግምት ኣእትዩ ማዕረ ሰለ ዘይኰኑ፡ ሚዛን ክፍሊቶም ነንበይኑ’ዩ ዚኸውን። በዚ መንጽር ድማ፡ ’ቲ ንብዓል ስልጣን ዝበደለ፡ ፍዳኡ ዓብይ (ብዙሕ) ይኸውን።
እሞኸ ደኣ እዚ ኣብ መንጎ’ቶም ባህርይ ፍጥረቶም ሓደ ዝዀኑ፡ ብምኽንያት እቲ ዝተዓደሎም ኣብኣቶም ዝሓደረ ኽብረትን ስልጣንን ዕድመን፡ ዚፍረድዎ ሚዛን ፍርዲ፡ ዚረዝንን ዚፈኵስን ካብ ኰነ፣ እቲ፡ ነቲ ንህላወኡ ምኽንያት ዘይብሉ፡ ፈጣሪ ዅሉ፡ ዝመሳሰሎ ዘይብሉ፡ ዘለኣለማዊ፡ ልዑል ኣምላኽ ዝበደለ ሰብ፡ ብፍርዲ እንተ ዚሕተት፡ ሰለ በደሉ እንታይ ምፈደየ፧! እዚ ውዱቕ ሰብ፡ ነቲ ኣብ ዙፋኑ ንዘለኣለም ተቐሚጡ ዚነብር ጻድቕ ኣምላኽ፡ ንምንዋሕ ዘመኑን ክብሪ መንነቱን ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ንተበዳሊ ዚመጣጠን ዚኽፈል ፍዳ ኺፈርድ ዚኽእል ኣካል ምተረኽበ’ዶ፧ ያእ ኣይፋሉን። ኪኸፍል’ከ ምኸኣለ’ዶ፧ ዘይመስል። ኣበይከ ምነበረ፧ ካብ ገጽ እቲ ዘፍቀሮ ኣምላኽ ንዘለኣለም ምረሓቐ። ቃል እግዚኣብሔር "ሰብ ንሰብ እንተ በደሎ፡ ኣምላኽ የተዓርቖ፡ ሰብ ንኣምላኽ እንተበደሎ ግና መን የማልደሉ፧" ከም ዝበለና፡ ንምግማቱ ቐሊል ዘይኰነን ከቢድ ምዃኑን ይስቆረናዶ’ሎ (1ሳሙ 2፡25)፧
እቲ ብምሕረቱን ብሕያዋይነቱን ብፍቕሩን መዘና ዘይብሉ፡ እዚ ዝመለለይኡን ኣምላኽ፡ ምስ በዳሊኡ ኣብ ፍርዲ ምስ ኣተወ፡ ን’ተበደሎ በደል ኪኸፈሎ ዚኽእል በዳሊ ሓደ’ኳ ኸም ዘየለ ስለ ዚፈልጥ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብዝዀነ ዋጋ በደል (ሓጢኣት)፡ ን’ተበደሎ በደል ዚመዓራረይ ክፍሊት፡ ማለት ኬዕግቦ ዚኽእል ዋጋ ኻብ ርእሱን ንርእሱን ብምድላው፡ ንጽድቁን ንሕያዋይነቱን ዜጣመረ፡ ኣገልግሎት ዕርቂ ንምፍጻም፡ በቲ ማዕረኡ ኽብረትን ዘለኣለምነትን ዘለዎ፡ ቅርጺ ባህርዩ ዝዀነ ገንሸል ወዱ ጐይታናን መድሓኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ተዓርቀና። ከምዚ ዝበለ መሓሪ፡ ን’ተበደሎ በደል ብርእሱ ተኻሒሱ ሰላም ምስ በዳሊኡ ዚገብር መን ኣሎ (እብ 1፡1፣ 2ቈረ 5፡18-19፣ ሮሜ 5፡1,6-9)፧!
እምበኣር ከም ህዝቢ እስራኤል፡ ምስ’ቶም እግዚኣብሔር ምድሓኖም ሓሲቡ ንደሓኖም ዚሓስብሎም ልኡኻት ዝለኣኸሎም ዝተጻረሩ፡ ንሕና’ውን ነቲ ንምድሓንና ዚተላእከልና ናይ ምሕረት ማዕከን ካብ ምጽራር፡ ዝተገብረልና ምድሓን ርኢናን ኣስተውዒልናን፡ ነቲ ባዕሉ ዝተዓርቀና ኣምላኽ ኣማልኽቲ ጐይታ ጐይቶት፡ "መኑ መሐሪ ዘከማከ" ከማኻ ዝበለ መሓሪ የለን ኪንብል’ዩ፡ ዝግብኣና (ዘጸ 2:11፣ ዘዳ 18:15;18፣ ነህ 9:16-17፣ ኤር 6:10፣ ግብ 5፡23-53፣ ዘዳ 19:3፣ 24:3፣ ዮሃ 7:19፣ ገላ 3:19፣ እብ 2:2)
ኣምላኽ ንኣይሁድ ኰኑ ንኣህዛብ ብምንታይን/ስለምንታይን ይምሕሮም፧
"ዘመነ ጽጌ"፡ (ዘመን ዕንባባ) ከምቲ ዘመኑ ዝነግረና ዘሎ፡ ግራት ድሕሪ ምድልዳሉ፡ ዛላ ምዝላዩ፡ ተኽሊ ምትካሉ፡ ኰስኳስ ምክያዱ፡ ባላ ምቛሙ፡ ወይኒ ምስ ዓንበበ፡ ፍረ ኺርእይ ብትዕግስቲ ኺጽበይ ድሕሪ ምጽናሑ፡ እቲ ዚቕጽል ዕይዮ ኺምላእ’ሞ ብዙሕ ፍረ ኺኣርይ ወይ ኪሓፍስ፡ እቲ ጐይታ ግራት፡ ዓየይቲ ናብቲ ግራቱ ኺልእኽ፡ ኣገልገልቲ ኺጽውዕ ዝሸባሸበሉ ጊዜ’ዩ (ማቴ 9፡38)።
ነዚ ተምሳል’ዚ ምርኵስ ብምግባር፡ ኣምላኽ መሓሪ ስለ ዝዀነ፡ ብምሕረቱ ንህዝቡ ኻብ ኵነኔ ኼድሕኖ፡ ኣብ ዘዘመኑ ኸም እኒ ጻድቕ ኖህ፡ ነብይ ሙሴ፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጴጥሮስ፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ዝኣመሰሉ ኣገልገልቲ ጸዊዑን ልኢኹን’ዩ፡ ብዓብይኡ ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ዮሃ 13፡20፣ 1ቈረ 3፡9)።
ኣብ ማቴ 20፡1-16 ዘሎ ትምህርቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ በተን ኣቐዲምና እንፈልጠን፡ ቅጅል ዚብላና ዝዓቘርናየን ትምህርቲ ኸይዓገብና፡ ሃዲእና እንተ ደኣ ኣንቢብናዮ፡ እግዚኣብሔር ካብኡ ዚምህረና ትምህርቲ ከም ’ንረኽበሉ ርግጽ’ዩ። እምበኣርከስ፡ ብመንጽር ምሕረቱ ምስ እንርእዮ ዜስተንክር ሓሳብ ኣለዎ’ሞ ልቦናና ኣልዒልና ንከታተል።
እቲ ብምስላ ንመንግስተ ሰማይ ወኪሉ ዘሎ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ኣብ ግራቱ ዚዓይዩ ሰብ ውዕለት ኪሰማማዕ፡ ኣንጊሁ ወጸ። ምስቶም ብኹራት ዓየይቲ ድማ ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ኪኸፍሎም እናተሰማመዐ፡ ንገሊኦም ብቐዳመይቲ ሰዓት (7፡00 ቅ.ቐ)፡ ንገሊኦም ብሳልሰይቲ ሰዓት (9፡00 ቅ.ቐ)፡ ንገሊኦም ብሳድሰይቲ ሰዓት (12፡00 ድ.ቐ)ን ብታስዐይቲ ሰዓት (3፡00 ድ.ቐ)ን፡ ንገሊኦም ከኣ ዋላ’ኳ ውዕለት ዜውዕሎም ስኢኖም እንተ ወዓሉ፡ መሬት ኣብ ምዕራቡ፡ ብመበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት (5፡00 ድ.ቐ) ረኺቡ፡ "ንምንታይከ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕዮ ኣብዚ ደው እትብሉ፧" እናበለ ጓሂኡ ገሊጹ፡ "ንስኻትኩም ድማ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ፡ እቲ ዚግባእ ከኣ ትወስዱ፡" በሎም።
ጊዜ ኽፍሊት ውዕለት በጺሑ፡ ካብ ዳሕሮት ጀሚሩ ኽሳብ’ቶም ቀዳሞት ውዕለቶም ኪህቦም ምስ ጀመረ፡ እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ፡ ዚበዝሕ ዚቕበሉ መሰሎም፣ እንተዀነ፡ ንሳቶም’ውን ደዲናሮም ተቐበሉ። ግናኸ፡ ጻዕሮምን ድኻሞምን ብምጽብጻብ ኣብ ልዕሊ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ኣዕዘምዘሙ። ንሱ ግና ንሓደ ካብኣቶም፡ ለውሃትን ትሕትናን ብዝመልኦ መልሲ፡ "ዓርከይ፡ ኣይዓመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕካንን፧ ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ ኽንድ’ቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧" ኢሉ’ዩ መሊሱሉ።
እምበኣር ነዛ ናይ ሎሚ ንባብና ብመንጽር ምሕረት ኣምላኽ ናብ’ዘን ዚስዕባ ሓሰባት ክንትርትራ።
ሀ) ጻውዒት፡ ናብ ደምበ ምሕረት
እዚ ኣብ ላዕሊ ዘንበብናዮ ብመንጽር ምሕረት ኣምላኽ ክንርእዮ ኸለና፡ እቲ ኣስራሒ (ምሕረተኛ/መሓሪ) ስራሕ (ምሕረት) እንተ ዘየዳልው ሰራሕተኛ ኺጽውዕ ኣንጊሁ ምወጽአዶ፧ ሰራሕተኛኸ ንስራሕ ወፊሩ ዲናሩዶ (ጽድቂ) ምረኸበ፧ ማለት ኣምላኽ ናይ ምሕረት መጸዋዕታ ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይጽውዕ፡ እቲ ምሕረት ዝሰኣነ ሰብ፡ ምሕረት ኣበይ ኣላ፧ ኢሉ ሃሰው ኢሉዶ ምረኸባ፧ አረ ንህልውና ምሕረት’ከ ብቐንዳዶ ምሓሰባ፧ እቲ መሓሪ ደኣ ምሕረት ኪህብ ብንግሆኡ ገስገሰ’ምበር፡ እቶም ተቐበልቲ ምሕረትሲ (ዓየይትስ)፡ ክሳብ "ናብ ምሕረት (ዕድመ ስራሕ) ዚዕድመና ኣይረኸብናን፡" ምባል’ውን በጺሖም’ዮም። ሰለ’ዚ ኸም’ቲ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስን ሃዋርያ ቕዱስ ዮሃንስን ዝበልዎ፡ ምሕረት ኣምላኽ፡ ካብኡ ንኣና ዚመጽእ’ምበር፡ ካባና ገለ ነገር ከይዱ ዚቝጸረልና ኸም ዘይኰነ ኣብ መልእኽትታቶም ኣብሪሆምልና ኣለዉ።
"ንሙሴ፥ ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝድንግጸሉውን ክድንግጸሉ’የ፡ ኢልዎ’ዩ’ሞ፡ ስለ’ዚ ናይ’ቲ ዚምሕር ኣምላኽ’ዩ’ምበር፡ ናይ’ቲ ዚደልይን ዚጐይይን ኣይኰነን። " ሮሜ 9፡15-16
"እዚ ዅሉ’ውን ካብ’ቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂ’ውን ዝሃበና ኣምላኽ’ዩ። ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ’ሞ፡ በደሎም ኣይሓዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።" 2 ቈረ 5፡18-19
"ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና’ዩ’ምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ’ያ።" 1ዮሃ 4፡10
ለ) ምሕረቱ ካብ ገዛእ ርእሱ’ዩ፡ ወሰን ኰነ ወገን የብሉን
ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ንሰብ ውዕለት ደዲናሮም ኪህቦም ካብ’ቶም ዳሕሮት ክሳብ’ቶም ቀዳሞት ምስ ጀመረ፡ ዝዀነ መንጠሪ ባይታ ዘይብሎም ክነሶም፡ እቶም ቀዳሞት በቶም ዳሕሮት ኪቐንኡ፡ እቶም ዳሕሮት’ውን ነቶም ቀዳሞት ኪንዕቑ መሰል የብሎምን (ሮሜ 10፡19፣ ገላ 4፡17፣ ሮሜ 11፡20)። ምኽንያቱ፡ እታ እትኽፈል ዲናር (ጽድቂ)፡ ስምምዕ ዝመሰረታ፡ ናይ’ቲ ዋና ግራት’ያ። ኵላቶም ነታ ሓንትን ንዅሎም ማዕረን ዝዀነት ብጐይታና ክርስቶስ ኢየሱስ እትወሃብ ምሕረት ኣምላኽ ዚቕበሉ፡ ዕድመ ኣኽቢሩ ንዝመጸ እትወሃብ፡ ኣንጊሁ፡ ኣቕቲሩ ዘይትብል’ያ። ወንጌል ወይ ምሕረት ወይ ምድሓን፡ ቅድም ንኣይሁድ ደኣ ይኹን’ምበር ደሓር ግና ንዚኣምን ኵሉ’ዩ። ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን። (ዘጸ 33፡19፣ 2ዜና 19፡7፣ እዮ 34፡10፣ ግብ 10፡34፣ ሮሜ 1፡16፣ 9፡11-13)
"ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል [ስልጣን] ሃቦም።" ዮሃ 1፡11-12 [ካ.ት]
ካብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብና ከም እንዕዘቦ፡ ካብቶም መዕዘምዘምቲ ሓደ፡ ንዝተሃርሞ ዛሕልን ዋዕን፡ ንዜሕለፎ ንውሓት ናይ ስራሕ ሰዓታት ተጸባጺቡ፡ ሓለፋ ብጾቱ ዲናር (ጽድቂ) ኪቕበል ኣብ ዝሓሰበሉ ጊዜ፡ ኣምላኽ ግና ኣሰራርሓኡ ዘይቅይር ብዓል ኪዳን ምዃኑ መስከረሉ። ማለት ክትዓይይ ኣነ’ምበር ንስኻዶ "ሰራሕ ኣሎኩም" ኢልካ ኣንጊህካ ወጺእካ ኢኻ፧ "ዝኣተኹልካ ኺዳን፡ ጻውዒተይ ተቐቢልካ ኽትዓይይ (ምሕረት)’ሞ፡ ሓንቲ ዲናር (ጽድቂ) ክህበካዶ ኣይነበረን፧" ኪብል፡ እሙንነቱ ገለጸሉ። ነቶም ዝቐንኣሎም መገላግልቱ ድማ፡ ከም’ታ ንእኡ ዝተዋህበቶ ጽድቂ፡ ንኣኣቶም’ውን ጽድቁ እንተ ሃቦም፡ መርኣያ ኣብ ኪዳኑ ምጽናዑ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ እንታይ ኪኸውን ኢሉ፧ እቲ ጽድቂ ዚወሃብ፡ ነቲ ጻውዒት ኪዳኑ፡ ብወዱ ዝሃበና ምድሓን ሰሚዑ፡ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ሰማይ ንዜገልግል ኵሉ’ምበር፡ ስርሑን ንውሓት ጊዜኡን እናተጻባጸበ ኣብ ልዕሊ እቶም ካልኦት መዓይይቱ ኪጒይትት ዚሓስብ ወይ ሓለፋ ዚጽበይ ዓያዪ መጓሰ ኣምላኽ ከም ዘይኰነን ምስ ገለጸሉ፡ በቲ ስስዐኡ’ውን ከም ዚጐሃየሉ ኣነጸረሉ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ እቲ ዲናር ዚቕበል፡ ከም መጠን ዕዮኡን ምንዋሕ ጊዜኡን ዘይኰነስ፡ ነታ ጻውዒት ኣኽቢሩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ጸኒዑ ኺሰርሕ ዚመጽእ’ዩ። እዚ ድማ ደገ ምሕረቱ’ዩ። እቶም ዳሕሮት ከም’ቶም ቀዳሞት ጻውዒቱ ሰሚዖም ኪዓይዩ ዚመጹ፡ ኣደላዲሉ ዲናር ዝሃቦም’ውን መግለጺ ሕያዋይነቱ ምዃኑ ኣብርሀ። እዚ ኸኣ ነቲ በቲ ኣቐዲሙ ብሙሴ ገይሩ ንህዝቢ እስራኤል እግዚኣብሔር እተዛረቦም ቃል ይመሳሰል።
"ንስኻስ [ህዝቢ እስራኤል]፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ’ሞ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ፡ ካብ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ፈልዩ፡ ህዝቡ ኽትኰኖ ሓረየካ። እግዚኣብሔር ዝፈተወኩምን ዝሓረየኩምን፡ ካብ ኵሎም ካልኦት ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኩም ኣይኰነን፡ ካብ ኵሎም ህዝብታት’ኳ ንስኻትኩም ትውሕዱ። እግዚኣብሔር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሓለወን፡ እግዚኣብሔር ብሓያል ኢድ ኣውጽኣኩም። ካብ ቤት ባርነት ድማ፡ ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ኣድሓነካ። እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ንዚፈትውዎን ትእዛዙ ንዚሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር፡ ኪዳን ዚሕልው እሙን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፍለጥ።" (ዘዳ 7፡6-9፣ 19፡5፣ ዘዳ 10፡15፣ 26፡18፣ 28፡9፣ 1ጴጥ 2፡9)
ስለዚ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ዝመረጾም፡ ብምሕረቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳኑ ዚሕልው እሙን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ’ምበር፡ ንእኡ ዜሐጕሱሉ ረቛሒ ኸም ዘይብሎም ንርእይ ኣለና። ኣህዛብከ፡ ካብ ኣይሁድ ዚሕሹሉ ገለ ረቛሒ ኣለዎምዶ፧ ያእ ሓንቲ’ኳ የብሎምን (ሮሜ 5፡15)።
እግዚኣብሔር ንኣህዛብከ ብኸመይ ዝበለ ጥበብ፡ ምሕረቱ ኣግሃደሎም፧
ኣይሁድ ኪምለስዎ ምሉእ መዓልቲ ኢዱ ዘርጊሑ እናተጸበዮም፡ ልቦም ኣትሪሮም ምምላስ ምስ ኣበዩን ነቲ ንምድሓኖም ዚኸውን ወንጌል ምድሓን ኣብ ክንዲ ዚቕበልዎ ምስ ደፍእዎን፡ ኣምላኽ ነዛ ትርሪ ልቦም ብጥበቡን ብፍቓዱን ንኣቕንዖት ህዝቡ፡ ንምድሓን ኣህዛብ ተጠቐመላ፡፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣይሁድ ኪንገር ይግባእ ነይሩን ተነጊሩን ክነሱ ስለ ዝደፍኡዎን ዘይተቐበልዎን፡ ማለት ናብቶም [ብስጋ] ናቱ ዝነበሩ ምስ መጸ፡ ንሳቶም ግና ስለ ዘይተቐበልዎ፡ እግዚኣብሔር፥ ነቲ ኣቐዲሙ ዜዳለዎ ምድሓን ክሳዕ ወሰን ምድሪ (ንኣህዛብ) ምእንቲ ኼብጽሖ፡ ኣገልገልቱ ኣዳልዩ ለኣኸሎም (ግብ 13፡46)።
". . . ኣሕዋተየ፡ ብርእስኹም ብልህታት ዝዀንኩም ምእንቲ ኸይመስለኩምሲ፡ ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣትው፡ ንሓያሎ ኻብ እስራኤል ትርሪ ልቢ ኸም ዝበጽሖም፡ እዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ፡ ኣይፈትውን’የ። ውህበት ጸጋ ኣምላኽን ጽውዓኡን ዘይጠዓሰሉ ስለ ዝዀነ፡ ብወንጌል ምእንታኹም ጸላእቲ’ዮም፡ ብምሕራይ ግና ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት’ዮም። ኣምላኽ ንዅሎም ምእንቲ ኺምሕሮም፡ ንዅሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዓጸዎም’ሞ፡ ከም’ቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተአዘዝኩምዎ፡ ሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዛዝ እቲኣቶም እተመሓርኩም፡ ከምኡ’ውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተመሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኺመሓሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን። ወዳጄ! መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ’ዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰር ኣሰር ዘይርከብከ’ዩ መገዱ። ሓሳብ እግዚኣብሔር ዚፈልጥ መን’ዩ፧ ወይስ መን’ዩ ዘማኸሮ፧ መንከ’ዩ ቐደም ገለ ዝሃቦ’ሞ ዚፍደዮ፧ ኵሉ ኻብኡ’ዩ ብእኡን ንእኡን ድማ’ዩ’ሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። " ሮሜ 11፡11-36
ኵሉ ፍጥረት ሰብ (ኣህዛብ ኰኑ ኣይሁድ) ብድኻሙን ብምሕረት ኣምላኽን ጥራሕ መታን ኪምካሕ፡ ምድሓን፡ ንዅሉ ብሓንቲ ጻውዒት ማለት ብሓንቲ ምሕረት፡ በቲ ዝተሰቕለ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እትርከብ መታን ክትኸውን ኢሉ፡ ንዅሉ ብምሕረት ጸውዖ።
እምበኣር፡ በታ "ነዚ ዳሕራይ ድማ ኽንድ’ቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ’ዩ። ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን’ዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ’ያ፧" ምባሉ፡ ምሕረቱ፡ ወሰንን ወገንን ዓስብን ዘመሰሉ ረቛሒታት ከም ዘይብሉ፡ በቲ ነቲ "ዓሚጽካና" ዝበሎ ዝሃቦ መልሲ ዝተረጋገጸ ዀይኑ፡ የግዳስ ሕያዋይነቱ እናስተውዓልና፡ ከማኻ ዝበለ መሓሪ የለን! ኢልና ከነድንቖን ከነመስግኖን ክንነግረሉን’ምበር ተዓዘብቲ ጥራሕ ከይንኸውን፡ በቲ ብወዱ ንዚኣምን ኵሉ ዚህቦ ምሕረት ቀዳሞት ተረባሕቲ ዀይንና፡ ብናይ ገዛእ ርእስናን ብናይ ብጾትናን ምስጋናና ነዕዝዝ። ". . . እግዚኣብሔር መሓርን ርህሩህን እዩ።" (መዝ 111፡4) እዚ ባህርይ’ዚ፡ ናይ ባዕሉን ካብ ርእሱን ደኣ’ምበር፡ ተለዋዋጢ ወይ ካብ ካልእ ጽልዋ ዘምጽኦ ባህርይ ኣይኰነን። እወ ብሓቂ፡ መን’ሞ’ሎ፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ዚነብር፡ ኪዳኑ ንውሉድ ወለዶ ጸኒዑ ዚነብር። ነቲ ብዘይ ኣድልዎ ንዅሉ ሓጥእ ብናይ ዘለኣለም ምሕረቱ ዜድሕንን ኪዳኑ’ውን ኣጽኒዑ ብምሕረቱ ንኣናን ንዅሉ ሰብን ዜንብር ዘሎ፡ ወትርግ፡ "ወመኑ መሓሪ ዘከማከ" እናበልና ከነመስግኖን ከነምልኾን ክንምስክረሉን ብጽሒትና’ዩ! ምኽንያቱ ምሕረቱ፡ ንሰብ ስለ ዝዀነት ህይወቱ!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
25 ጥቅምቲ 2026 | 15 ጥቅምቲ, 2019 ግዕዝ (መበል 6 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፻፲(፻፲፩)፡፬-፭ "መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር። ወመሀቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ። ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም።" "ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን’ዩ። ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ሮሜ 11፡13-28 |
ዲያቆን |
|
| ያእ 1፡9-21 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 7፡23-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማቴ 20፡1-16 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ወመኑ መሐሪ ዘከማከ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ