"ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕንበባ መሮር ይዕምብብ።" መዝ 102(103)፡14-15
". . . ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሓገገሎም።" ግብ 17፡26-28
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ 2ይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌ’ዩ። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ጥቅምቲ 3 ኽሳዕ ጥቅምቲ 9 ኣብ ዘሎ ንኡስ ዘመን ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ "ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦ "እቲ ልዕሊ ሰማይ ዘሎ (ኣምላኽ)፡ ኪነ ጥበቡ መስተንክርን ድንቅን’ዩ። ኪነ ጥበቡ መስተንክርን ድንቅን’ዩ፡ ምሕረቱ ኣብ ልዕሌና ኣርኣየ። ንሰማይ ብብሩሃት ከዋኽብቲ ኸለሎ (ኸበቦ)። ንምድሪ ድማ፡ ብንጹህ ዕንበባታት ኣማዕረጋ። ብኣኣ ኼዕርፉ ንሓዋሩ ሰንበት ሠርዐ። (ሰንበት)ንቕዱሳን መኣዛኦም’ያ። ከም’ቲ ኣብ ውሽጢ ቘላታት ዘሎ ምኡዝ ዝሽታኡ ሽጕርቲ በረኻ’ያ። ቃርፋ ምስ ናርዶስ ከኣ፡ ዓንበበ።
ሓረግ ወይኒ፡ ሠራውራ ኣብ ምድሪ፡ ጨናፍራ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ’ዩ። ብሰለስተ ዝተገመደ (ዝተቐወደ) ዘለላ በረኸት ድማ፡ ተፍርየልና። (ሓረግ ወይኒ)፡ ንቕዱሳን ሲሳዮም (ምግቦም)’ያ። ብቓሉ ሰንበት ሠርዐ፡ ንዅሉ ድማ፡ ሰላሙ ጸገወ።" ማለት’ዩ።
ስለ’ዚ እዚ መዝሙርና መሪሑና ኸም ዘሎ፡ እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ብዛዕባ ናይ እግዚአብሔር ኪነ ጥበብ ’ንምሃረሉን፡ ነቲ መንክር ኣምላኽ ብዛዕባ’ቲ ብፍጥረቱ ዀነ ብወዱ ብክርስቶስ ዝገለጾ "ዘመነ ኪነ ጥበብ" ዝተሰምየ ንኡስ ዘመን’ዩ። ምኽንያቱ ንሱ ንሰማያት ብብሩሃት ከዋኽብቲ ኸሊሉ፡ ንምድሪ ድማ፡ ብንጹሃት ጽጌያት (ዕንበባታት) ኣማዕሪጉ ዜናብር ኣምላኽ’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ ማቴ 6፡19-34 ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ተነጺሩ ኸም ዘሎ፡ ዕንበባታት ናይ ጥበብ ኣምላኽ መርኣያ’ዮም። ኣብ ታሪኽ ዓለም ካብ ንጉሥ ሰለሞን ዚበልጽ ጥበበኛ ኸም ዘይነበረን ከም ዘይህልውን ብልሳን መለኮት ዝተረጋገጸ ሓቂ’ዩ (1ነገ 3፡12፣ 2ዜና 1፡12)። እቲ "...ካብ ሰሎሞን ዚዓብይ ኣብ’ዚ ኣሎ" ዝበለ ጐይታና ኢየሱስ ግን፡ ነቲ ነቒጹ ናብ ሓዊ ዚድርበይ ሳዕሪ መሮር፡ ካብ’ቲ ናይ ሰሎሞን ብዚበልጽ ጥበቡ መስተንክር ግርማን ጽባቐን ብዘለዎ ዕንበባታት ገይሩ ይኸድኖ (ማቴ 6፡28-30፣12፡42)። ኣብ’ዚ ዚነቅጽ ሳዕርን ዚረግፍ ዕንበባን ክንዲ’ዚ ዚኣክል መስተንክር ጥበብ ካብ ገለጸ፡ ኣብ’ቲ ብምስሉን ኣርኣያኡን ዝፈጠሮ ሰብ ዚገብሮ ጥበብከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ መስተንክር ዘይከውን!! እቲ ንሓጢኣተኛታት ኬድሕንን ኬጽድቕን ዘግሃዶ ጥበቡኸ፡ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ’ዩ!! ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ’ዚኣ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን’ኳ ኸም ዘይፈልጥዋ፦
"9እቲ ኻብ ዘለኣለም ኣብ’ቲ ንዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ናይ’ዚ ምሥጢር’ዚ ኣገልግሎት ከመይ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርሃሎም ተዋህበኒ። 10-11 እዚ (ዝገበረ) ኸኣ፡ ኸም’ቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ገይሩ ዝፈጸሞ ዘለኣለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ ኣምላኽ፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሊቃናትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም ኢሉ’ዩ።"ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኤፌ 3፡9-11 ካ.ት)። ስለ’ዚ ኸኣ፦ "ወዳጄ፡ መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን!! ክንደይ ዘይምርመር ኰታ’ዩ ፍርዱ! ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ’ዩ መገዱ!!"ብምባል ኣስተንከረ (ሮሜ 11፡33)። እምበኣር እዚ "ዘመነ ኪነ ጥበብ" ተሰሪዑልና ዘሎ፡ ንሕና’ውን ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ ናብ ከም’ዚ ዝበለ ዓሚቝ ርድኢትን ኣድንቖትን በጺሕና ምእንቲ ኸነምልኾን ክንእዘዞን’ዩ’ሞ፡ ብምስትውዓል ክንጥቀመሉ ይግባእ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ምስ’ዚ ናይ መዝ 103፡14-15 ምስባክን ግብ 17፡26-28 ንባብናን ዝተዛመደ ትምህርቲ’ዩ።
ሓመድ፡ ሳዕሪ፡ ዕንበባ መሮር፡ ከምኡ’ውን ምዱብ ጊዜያት (ውሱን ዘመናት)፡ ድዉብ ደረት ምስ ፍጥረትና ኣዛሚድና ኽንርእዮም ከለና፡ እንታይ ትርጕም ኣለዎም፧ ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ንነፍሱ ኣብ ዝዘመሮ፡ ብሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን "መዘና-ኣልቦ ምስጋና" ተባሂሉ ዚጽዋዕ መዝሙር ምስጋናን ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ፡ ንሰብ ኣቴና ኣብ ዝተዛረቦምን፡ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ምስባክን ንባብን፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ዝተሳተፍናዮ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ጸሎተ-ፍትሓት ኬብጽሑ ኸለዉ፡ ውሉደ-ኽህነት ዘንብቡልና ትሕዝቶ ኣለዎ። እቲ ኣዝዩ ዜገርም፡ ሓጺር ዕድመ ኸም ዘሎና፡ ብዙሕ ጊዜ እንዝክረሉ፡ ኣብ ከባቢና ዝጸንሑ ሰባት ብሞት ኪፍለዩና ኸለዉ’ዩ። ከም’ዚ ኪኸውን ግና ኣምበይምተገብአን። ኣብ’ዛ እንነብረላ ዘለና ምድሪ፡ ዕድመና ሓጺር ምዃኑ፡ "ዎ እግዚኣብሔር፣ ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፣ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ።" ኢልና እናጸለና ነንመዓልቱ ኽንዝክሮ ዚግባእ ክፋል ህይወትና’ዩ (መዝ 39፡4)።
ሀ) ሓመድ - እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሰብ ኪፈጥሮ ኸሎ፡ ". . . ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ"፡ ድሕር’ቲ ኣዴና ሄዋንን ኣቦና ኣዳምን ካብ’ታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ዝበልዑላ ጊዜ ኸኣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳም "ናብ’ታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳእ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ’ሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ፡ በሎ" (ዘፍ 2፡7፣ 3፡19) ብምባል፡ ሓመድ ምዃንና ኣነጺሩ ምሂሩና ኣሎ።
ለ) ሳዕሪ - ነብይ ሙሴ "ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ተመለሱ እናበልካ፡ ንሰብ ናብ መሬት ትመልሶ ኣለኻ። ... ከም ውሒዝ ትገፍፎም፡ ከም ትኽስታ’ዮም፡ ከም’ቲ ብጊሓት ዚልምልም ሳዕሪ፡ ንግሆ ይዕምብብ ይልምልም ድማ፡ ኣጋ ምሸት ይዕጸድ’ሞ ይነቅጽ።" ብምባል፡ ዕምርና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኪርኣይ ከሎ፡ ከም ሳዕሪ ምዃኑ ዘሚርዎ ኣሎ (መዝ 90፡3,5)። ኣብ’ቲ ቐቅድሚ’ቲ ናይ ሎሚ ምስባክ ዘሎ ምዕራፍ መዝሙር ዳዊት እንተ ተመልከትና’ውን፡ ሽጉር ተጨኒቑ ኸሎ፡ ጸገማኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብጸሎት ኣብ ዘፍስሰሉ፡ "መዓልትታተይ ከም ዚነውሕ ጽላሎት’የን፡ ኣነ’ውን ከም ሳዕሪ እነቅጽ ኣለኹ።" ኢሉ’ዩ ዕድመኡ ኸም ሳዕሪ ምዃኑ ዚዝክር (መዝ 101(102)፡11)። ሳዕሪ፡ ማይ ክሳዕ ዝረኸበ፡ ልሙዕ’ዩ፡ ማይ ኣብ ዘይረኽበሉ ጊዜ ግና ብቕጽበት ይነቅጽ፡ ከምኡ ድማ ህይወትና ብዘይ’ቲ ምንጪ እስትንፋስና ዝዀነ መንፈስ እግዚኣብሔር፡ ከም ሳዕሪ፡ ህሞታውን ሓጺርን ምዃኑ ንምምልካት’ዩ እምበኣር ከም ሳዕሪ ተመሲሉ ዘሎ።
ሐ) ዕንበባ መሮር - "...ስጋ ዘበለ ዅሉ ሳዕሪ’ዩ፡ ኵሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕንበባ መሮር’ዩ።" ዚብል ነብይ ኢሳይያስ ዝተዛረቦን፡ "ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡ ሓጺር ዕድመ፡ ጽጉብ ሓሳር’ዩ። ከም ዕንበባ ይዕንብብ፡ ይጽምልው ከኣ፡ ከም ጽላሎት ይሃድም፡ ኣይነብርን ድማ።" ኢሉ ጻድቕ እዮብ ዝተዛረቦን ምስ እንርእይ፡ ህይወትና ምስ ዕንበባ መሮር ዘለዋ ምምስሳል ብቐሊሉ ኸነስተብህል ንኽእል (ኢሳ 40፡6፣ እዮ 14፡1-2)። እዚ መልእኽትታት’ዚ ህይወት ደቂ ሰብ ጊዝያዊ፡ ናይ ክስዖይ፡ ናይ ሓጺር እዋን ምዃኑ ይምህረና።
መ) ምዱብ ጊዜያት (ውሱን ዘመናት) - ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ነዚ ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ብሓመድን፡ ምሳሌ ሳዕርን ዕንበባ መሮርን ዝገለጾ፡ ህይወትና ብናይ ጊዜ መዐቀኒ ኸም’ቲ ነብይ ሙሴ "መዓልትታት ዓመታትና 70 ዓመት፡ እንተ በዝሐ ኸኣ 80 ዓመት’ዩ፡ ቀልጢፉ ይሓልፍ፡ ነፊርና’ውን ንኸይድ ኢና’ሞ፡ ክብረቱ ጻዕርን መከራን’ዩ።" ኢሉ ዝዘመሮ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ እንነብረሉ ውሱን ጊዜ ኸም ዘለና’ዩ ሰቢኹልና (መዝ 90፡10፣ ግብ 17፡26-28)። እዚ መዐቀኒ’ዚ ብናይ ዘመንና ስነ-ፍልጠታዊ መዐቀኒታት፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ኣመልከትቲ (indices) ተዓቂኖም፡ ዝተፈላለየ ኣሃዛት የርእዩና’ዮም። ካብ’ዚ፡ ሰማይን ምድርን ኣሕሊፉ፡ ንዘለኣለም ዚነብር ቃል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣቐሚጥዎ ዘሎ ደረት ዕድመ ኸኣ እንተ ዘይትሒቶም፡ ፈጺሞም ኣይሓልፉን’ዮም። ዝተፈላለየ ዕድመ ወዲ ሰብ ንምውሳኽ (longevity) ተባሂሎም ዚካየዱ ምርምራትን ጻዕርታትን ከኣ ክሳዕ ሎሚ፡ ፍሉይ ዝዀነ ወሰኽ ዕድመ ሰብ ከየርኣዩና፡ ዘይተርፈና ጽውዓ ኣምላኽ (ሞት) እናተጸዋዕና ንሓልፍ ኣለና።
ረ) ድዉብ ደረት - እግዚኣብሔር - ከመዮ ነብይ ኢሳይያስ "እግዚኣብሔር ከም’ዚ ይብል፡ ሰማይ ዝፋነይ’ዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ’ያ። እቲ ንስኻትኩም ’ትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራ’ኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧"፡ ነብዪ ኤርምያስ ከኣ "ኣነ ኸይርእዮስ ሰብዶ ኣብ ስዉር ስፍራ ኺሕባእ ይከኣሎ እዩ፧ ይብል እግዚኣብሔር። ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን፧ ይብል እግዚኣብሔር።" ዝበሉና - ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኵሉ ቦታ ኺህልው ይኽእል (ኢሳ 66፡1፣ ኤር 23፡24)። ንሕና ደቂ ሰብ፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ደኣ ዝተፈጠርና ንኹን’ምበር፡ ፈጺምና ኣማልኽቲ ኽንከውን ስለ ዘይንኽእል፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ኢና ኽንህልው ’ንኽእል። እዚ ኸኣ’ዩ እቲ እግዚኣብሔር ዝደረተልና ድዉብ ደረት።
እዞም ብምሳሌኣዊ ኣገላልጻ ንሰብ ንምግላጽ ቃል እግዚኣብሔር ተጠቒሙሎም ዘሎ፡ ሓመድ፡ ሳዕሪ፡ ዕንበባ መሮር ዚብሉ ቓላት እምበኣር፡ ፍጡራትን መወትትን ምዃንና፡ ካብ ሓመድ ምድሪ ብእግዚኣብሔር ዝተፈጠርና፡ ፍጡራቱ፣ ናብ ሓመድ ምድሪ እንምለስ፣ ከም’ቲ ሳዕሪ ቐልጢፉ ብጻዕቂ ዚዓብይ’ሞ፡ ሓጺር ጊዜ ጸኒሑ ድማ ዚቕምስልን ዕብየቱ ዜቋርጽን፡ ከምኡ’ውን ዕንበባ መሮር ጽባቔኡ ኣብ ከም ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ደሚቑ ዚርኣይ፡ እንተ ዀነ’ዚ ጽባቐ’ዚ ነባሪ ዘይኰነ፡ ንሕና ደቂ ሰብ ከኣ ካብ ማህጸን ኣዴታትና ኣትሒዙ ህንጸት ኣካላትና ይጅምር’ሞ ዝተፈላለየ ወቕትታት ኣካላዊ ዕብየት ኣሕሊፍና፡ ብድሕሪኡ ’ንመውት፣ ብጊዜን ብቦታን ውሱናትን ድሩታትን ምዃንና እንመሃረሎም ትሕዝቶ’ዮም።
ሓጺር ዕድመ (ዕምር)ን ሞትን ብኸመይ ጥበብ ኣምላኽ ይገልጹ፧ ጥበብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና በዚ ድሩት ኣእምሮና ኸነቝሮ’ኳ ዘይንኽእል እንተ ዀንና፡ ዘለኣለማዊ ቓሉ ብዝገለጸልና ግና ሓጺር ዕድመ ደቂ ሰብን ሞትን - ምፍላይ ስጋና ኻብ ነፍስና እምበር ብዛዕባ’ቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኰንናን ’ንዛረብ ዘለና - ጥበብ ኣምላኽ ዚገልጹሉ መገዲ፡ ድሩት ጊዜና ኣብ ግምት ብምእታው ፍሩያት ሰለስተ ሓሳባት ጥራይ ክንድህስስ። ቀዳማይ ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ውሱን ዕድመ ሰብ እንርእየሉ፡ ናብ’ቲ ናይ መጀመርታ መጽሓፈ-ኦሪት መጽሓፍ ቅዱስና ተመሊስና፡ ኣብ’ቲ "እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ፡ ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብር፡ ኢሉ፡ ስለ’ዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዓይያ ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤደን ኣውጽኦ።" ዚብል ትሕዝቶ ኢና እንርእዮ (ዘፍ 3፡22-23)። ኣቦና ኣዳም ድሕር’ቲ ኻብ’ታ እግዚኣብሔር ካብኣ ኸይበልዕ ዝኸልከሎ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ብገዛእ ምርጫኡ ምብላዑ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብዛዕባ ኣዳም ኵሉ ጊዜ ዚሓይሽ ሓሳብ ስለ ዚሓስብ፡ እቲ ኣብ መንፈሳዊ ሞት ዝጠሓለ፡ ብመልክዕን ምስልን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ተፈጢሩ ኽነሱ፡ መንፈሳዊ ሞት ዝሞተ፡ ህያው - ምዉት ህያው - ምእንቲ ኸይከውን’ዩ፡ ካብ’ታ ኦም ህይወት ከይበልዕን ነታ ዝተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዓይያን ኢሉ ኻብ ገነት ኤድን ዜውጽኦ። ድሕሪ ብሓጢኣት ምውዳቑ ካብ’ታ ኦም ህይወት በሊዑ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ኣቦና ኣዳም ክሳዕ ሕጂ ብህይወቱ ምጸንሓና፡ ኪድሕን ዕድል ዘይብሉ ሰብ ድማ ምዀነ። ወዳጄ፡ ጥበብ እግዚኣብሔር! ኣብ ድረታ ዕምርና (ዕምሪ ደቂ ሰብ) እንርእዮ ኻልኣይ ዓሚቝ ጥበብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሔር፡ "እግዚኣብሔር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ 120 ዓመት ይኹን፡ በለ።" ኢሉና፡ ምስኡ ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብነብይ ኢሳይያስ ኣቢሉ "ንዘለኣለም ኣይክብኣስን፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣይክቚጣዕን እየ። እንተ ዘይኰነስ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን መንፈስን ኣብ ቅድመይ ምተሓለላ።" ዝበሎ’ዩ (ዘፍ 6፡3፣ ኢሳ 57፡16)። ንኣንፊ መገድና "ዘበኑ 120 ዓመት ይኹን" ዝበሎ፡ ዕድመ ሰብ ክንዳኡ ይኹን ማለቱ ዘይኰነስ፡ ካብ’ዛ እግዚኣብሔር እዛ ቓል እተዛረበላ ጊዜ፡ ክሳዕ’ታ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ንጥፍኣት ዚመጽኣላ ዝሃቦ ደረት ጊዜ ምዃኑ ኽንግንዘብ ይግባእ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንሰብ ክፈጥሮ ኸሎ፡ እቲ ትንፋስ ህይወት ዝዀነ መንፈሱ "ኡፍ" ኢሉ’ዩ ፈጢርዎ፡ እዚ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጥና ዘቐመጦ መንፈሱ፡ በቲ ንሕና ብባህርይና ሓጢኣት እናገበርና እነጕህዮ ጓሂ፡ ንሓዋሩ ምሳና ምስ ደቂ ሰብ ምእንቲ ኸይጻጸርን ከይበኣስን ኢሉ’ዩ እምበኣር ኣብ’ዛ ምድሪ እንነብረሉ ሓጺር ዕድመ ሂቡና (ዘፍ 2፡7)። እቲ ሳልሳይ ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ሞት ደቂ ሰብ እንርእየሉ መገዲ፡ ኣብ’ቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ብሞት ኪስዕር ምእንቲ ስጋና ለቢሱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ሰብ ኰይኑ፡ ብዘመን ጴንጠናዊ ጲላጦስ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ዝሞቶ ሞትን፣ ሞት ኣጽኒዑ ኽሕዞ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ ካብ ምዉታት ዝተንስኦን ኣብ የማን እግዚኣብሔር ኣቦ እተቐመጦን’ዩ፡ በዚ ድማ "መርሖ ሞትን ሲኦልን" ኣለዎ (ራእ 1፡17-18)። ስለ’ዚ’ምበኣር እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ንድሕነትና ዚኸውን ዕድል ምእንቲ ኺህበና ኢሉ’ዩ ዕድመና ወሰን ገይሩሉ፡ ኣብ ሰማያት ንዘለኣለም ኣብ ’ትነብር ቤት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ’ዩ ኸኣ ኣብ’ዛ ምድሪ ንዘለኣለም ዘይንነብር (መወት’ቲ) ፍጡራቱ ገይሩና።
"እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና።" 2ቈረ 5፡1
ከም ሰባት (ክርስቲያናት) ኣብ ድሩት ዕምሪ ብኸመይ ኢና ኽንነብር ዘለና፧ ጊዜና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኣሎና፧ ኣብ እንነብረሉ ዘመንን ቦታን’ከ እንታይ ሓላፍነታት ኣሎና፧
ሀ) ገጽ እግዚኣብሔር ክንደልይ (ንእግዚኣብሔር ክንረኽቦ) - እቲ ንዅሉ ሰብ ዚኸውን መልእኽቲ ናይ’ዚ ሓሳብ፡ ኵሉ ሰብ ንእግዚኣብሔር ሃሰስ ኢሉ ምእንቲ ኺረኽቦ’ዩ፡ ውሱን ዕድመ ተዋሂቡና። "ብቅዱስ ስሙ ኽብሩ፣ ልቢ እቶም ንእግዚኣብሔር ዚደልይዎ ይተሓጐስ። እግዚኣብሔርን ሓይሉን ድለዩ። ኣዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ (ገጹ ዂሉ ጊዜ ድለዩ)።" ብዚብል ቃል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ተመሪሕና፡ ኵሉ ጊዜ ገጹ ኽንደልይ ምእንቲ’ዩ ሓጺር ዕምሪ ሂቡና (መዝ 104(105)፡3-4፣ 1ዜና 16፡10-11)። ደሊና ኸይንስእኖ ድማ ከም’ቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ "ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ" ዝበሎ፡ "እግዚኣብሔር ቀረባ’ዩ" (ግብ 17፡26-28፣ ፊል 4፡5)። ንኽልቲኡ’ዚ ሓሳባት’ዚ ድማ በቲ ነብዪ ኢሳይያስ ዝበሎ ኸነተሓሕዞ ኸለና ኸኣ፡ "ንእግዚኣብሔር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎ’ውን ጸውዕዎ።" ኢሳ 55፡6
ለ) ብትሕትና ኽንመላለስ - እግዚኣብሔር ኣምላኽና ሓመድ ምዃንና ኸም ዚዝክሮ፡ ንሕና’ውን ሓመድ ምዃንና ዅሉ ጊዜ ኽንዝክር ይግብኣና’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ’ዛ ምድሪ ምንባርናን ኵሉ ምምልላስናን ብትሕትና ኪኸውን ከም ዘለዎ’ዩ ዚምህረና። ሓመድ ምድሪ ኣብ ታሕቲ’ዩ ዘሎ’ሞ፡ ካብ ትዕቢት ተሓሊና፡ ብዛዕባ ርእስና ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ፡ ብልክዕ እናሓሰብና፡ ኣርኣያ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እናሰዓብና ብትሕትና ንንበር።
"ኣታ ሰብ፡ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፡ እግዚኣብሔርሲ፡ ቅንዕና ኽትገብር፡ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፡ ምስ ኣምላኽካ’ውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፡ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ’ዩ፧" ሚክ 6፡8
"ብሓቂ ትሑታት፥ ከምኡ’ውን ለውሃት ኩኑ፥ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም ከኣ ዕጉሳት ኩኑ።" ኤፌ 4፡2 ካ.ት
"ሓንቲ [ነገር] እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ [ኢልኩም] ኣይትግበሩ፡ [እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፡ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዚበልጹ ጌርኩም ገምቱ] ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ።" ፊል 2፡3 [ካ.ት]
"እምበኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኰይንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ።" ቈሎ 3፡12
"... ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዓቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም’ዩ’ሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዓጠቑ።" 1ጴጥ 5፡5
ሐ) ጊዜና ብሓላፍነታዊ መገዲ ኽንጥቀም - እግዚኣብሔር ሂቡና ዘሎ ጊዜ "ሎሚ" እያ። ጽባሕ፡ ናትና ስለ ዘይኰነት ን“ሎሚ” ብሓላፍነታዊ መገዲ ኽንነብራ ይግብኣና። ዕድመና ውሱን ስለ ዝዀነ፡ እንገብሮ ዘበለ ብህጹጽ (urgency) መገዲ ኽንገብር፣ ህይወትና ጊዝያዊ ስለ ዝዀነ፡ ጊዜ ኽቡር ጸጋና ምዃኑ ኽንግንዘብ፣ ዕድላት’ውን ንጊዜኡ ስለ ዝዀኑ፡ እግዚኣብሔር ንዚህበና ዕድላት ብግቡእ ኽንጥቀመሎም፣ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ (ነንመዓልቱ) ኽንነብር ከለና፡ "ጽባሕ ከም ’ንመውት" ሓሲብና፡ ነቲ ኣብ ዘዘለናዮ ድሩት ቦታ ብእግዚኣብሔር ዚወሃበና ዕዮታትን ዕድላትን ኣኣብ ጊዜኡን ብግቡእን ክንፍጽም፡ እግዚኣብሔር ብዝሃበና ድሩት ዕምሪ፡ እንስከሞ ሓላፍነት’ዩ። ነብዪ ሙሴ ኸም ዝዘመሮ "ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሃረና።. . . ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ፣ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና።" ኢልና፡ ህይወትና በብመዓልቱ ብጸሎት ኣብ እግዚኣብሔር ’ናኣቕረብና፡ እቲ ንሱ ብጥበቡ ዝሃበና ውሱን ዕምርን ድዉብ ደረትን ከም ፍቓዱ እናተመላለስናን እናነበርናን ንንበር (መዝ 90፡12,14)።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
18 ጥቅምቲ 2026 | 8 ጥቅምቲ, 2019 ግዕዝ (መበል 6 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ:102(103)፡14-15 "ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።" "ፍጥረትና ይፈልጥ’ዩ’ሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር’ዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ’ዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ኤፌ 6፡1-9 |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 1፡17-ፍ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 17፡23-ፍ |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማቴ 6፡19-ፍ |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ