S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 እንሆ ዘመነ ክረምት ወዲእና ናብ ዘመነ ጽጌ (ናብ ዘመን ዕንበባ) ሰጊርና ኣለና። ነቲ ኻብ ዓመት ናብ ዓመት፡ ካብ ዘመን ናብ ዘመን፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እና’ሳገረ፡ ናብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ዘብቅዓና ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንናን ሥርዓተ ክሊማ ሃገርናን፡ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ሕዳር 5 ዘሎ ቕንያት፡ "ዘመነ ጽጌ" ይብሃል። "ጽጌ" ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም "ዕንበባ" ማለት’ዩ። ብወርሕን ብዕለትን ጠቒስና’ኳ እንተ ዘይፈለናዮ፡ እዚ ቕንያት’ዚ ብርግጽ ምድርና በቲ ዝርካቡ ዕንበባታት እተጊጸሉ ወቕቲ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና። ኣናህብ ብቝጽሪ እምብዛ በዚሖም ኣብ ዕንበባታት ዓሲሎም፡ ቆፎታት ንህቢ’ውን ብመዓር ተቐጺጹ ብተደጋጋሚ ዚብርበረሉ፡ ጣዕሚ መዓሮም ጥራሕ ዘይኰነ ምርረት ሕንዞም ከይተረፈ ’ነስተማቕረሉ ወቕቲ’ዩ። 

ምስ’ዚ እግዚአብሔር ብኪነ-ጥበቡ ዝፈጠሮን ዝሰርዖን ወቕቲ ጽግያት ተዛሚዱ ዚዝከር ክልተ ኣገደስቲ መንፈሳዊ ፍጻመታት’ውን ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመነ ስድደት’ዩ። ብምኽንያት ንጉሥ ሄሮድስ ዝወጠኖ ህልቂት ህጻናት ቤት-ልሄም፡ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ቅዱስ ዮሴፍ ንህጻን ኢየሱስን ነዲኡ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ሒዙ ናብ ግብጺ ዝተሰደደሉ ጊዜ ዚዝከረሉ ዘመን’ውን’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ "ጾመ ቍስቋም" ወይ ከኣ፡ "ጾመ ጽጌ" ዚብሃል ናይ ፍቓድ ጾም ዚጽወመሉን፡ "ማኅሌተ-ጽጌ" ዚዝመረሉን ዘመን’ውን’ዩ። እቲ ኻልኣይ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ዝኽሪ ድማ፡ "ኣባ ዮሓኒ" ዝተባህሉ ገዳማዊ ኣቦ ዚዝከሩሉ’ዩ። እዞም ሓዋርያዊ ኣቦ’ዚኦም፡ ሶርያ ዝመበቈሎም ግብጻዊ መነኮስ’ዮም። ቅድሚ’ቶም ትሽዓተ ቕዱሳን (ተስዓቱ ቅዱሳን) ናብ ምድሪ ሓበሻ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ናብ ሃገርና ኣትዮም ቅዱስ ወንጌል ሰቢኾም እምነት ክርስትና ዘእተዉን፡ ነታ በዅሪ ገዳማት ሃገርና ዝዀነት ገዳም ደብረ ሲና ኣብ 451 ዓ.ም ዝመስረቱን ኣቦ’ዮም። ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ፈጺሞም ዝዓረፉሉ ዕለት ድማ፡ ሕዳር 5’ዩ።

ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ጥቅምቲ 2 ዘሎ ቕንያት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "ትዌድሶ መርዓት" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦

"እታ መርዓት <ወልድ ሓወይ ንዓ፡ ናብ በረኻ ንውጻእ ነቲ ዝዓንበበ ወይንን ዝፈረየ ሮማንን ንርኣይ>። ብምባል ትውድሶ። ንሰማይ ብኸዋኽብቲ፡ ንምድሪ ድማ ብዕንበባታት ሰለመ። ንሱ ኸኣ እቲ ንሰንበት ጐይታኣ ዝዀነ፡ ወልድ ዋሕድ’ዩ። እታ መርዓት፡ <ወልድ ሓወይ ቃልካ ጥዑም’ዩ> ኢላ ትውድሶ።

ብመጀመርታ ኽረምቲ፡ ብድሕሪኡ’ውን ናይ ቀውዒ ዕንበባታት ገበረ። ነቲ እኽሊ’ውን የጸብቖ። ከም’ቲ ብነብዪ፡ <ደብሪ መቕደሰይ ክትወርሱ፡ ሰናብተይ ኣኽብሩ> ዝተባህለ፡ ንዕረፍትን ንመድሃኒትን ኪኸውን ኣብ ጊዜኡ መዓልትታት ሰናብቲ ፈቐደ (ሃበ)።

እንሆ ዕንበባ ተራእየ። መርዓቱ ድማ፡ <ወልድ ሓወይ ከም ከርበ ይምእዝ (ይጥዕም)> ትብል። ነቢይ ዕንባቆም፡ <ናይ ወልድ ስነ-ምግባር ኣድነቕኩ> ይብል። (ኦ) ንጉሥ ሰላም ክርስቶስ፡ ልዕልናኻ ዓብዪ፡ ክብርኻ ድማ መስተንክር’ዩ። ንዕረፍቲ ሰንበት ሠራዕካ።" 

ማለት’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን፡ ብዛዕባ መርዓት ዚገልጹ ብምዃኖም፡ እዚ ናይ ዘመነ ጽጌ ንኡስ ዘመን’ዚ "ዘመነ መርዓት"’ዩ። መርዓት ’ትብሃል ዘላ ድማ፡ እታ ክርስቶስ ዝመርዓዊኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን’ያ። እቲ ናይ ኤፌ 5፡21-33 ንባብና፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንመርዓቱ፡ ርእሱ በጃ ብምሃብ ከም ዝቐደሳ ገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 5፡25-32)። ኣብ’ቲ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ድማ፡ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መርዓት ዘላቶ መርዓዊ ምዃኑ መስኪሩሉ ኣሎ (ዮሃ 3፡25-36)። ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ’ውን፡ ኣብ’ቲ ናይ 1ጴጥ 3፡1-9 ንባብና፡ ብዛዕባ ኣንስቲ (መርዑት) ንሰብኡት (ንመርዓውቲ) ኪዀናኦ ዚግባእ ጽሒፉልና ኣሎ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ ድማ፡ "ሰበይትኻ (መርዓትካ) ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራዪት ወይኒ ኽትከውን’ያ" ብምባል፡ ናብ’ቲ ናይ’ዚ ንኡስ ዘመን መልእኽቲ ኣመልኪቱና ኣሎ። ቤተ ክርስቲያን ድማ ከም መርዓት ክርስቶስ መጠን፡ ከም ፈራዪት ወይኒ ዓንቢባ ብዙሕ ፍረ ኽትፈርይ ይግብኣ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን፡ ቤተ ክርስቲያን ብቕዱስ ወንጌል ብዛዕባ ’ትፈርዮ ዘላ ፍረ ’ንምርምረሉ ወቕቲ’ዩ። እታ መርዓት ጐይታኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀነት፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ በቶም ኣገልገልታን ምእመናናን ዝቘመት’ያ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ቲ ናይ 1ጴጥ 3፡1-9 ንባብና ዝተወሰደ ትምህርቲ’ዩ።

ቃል ኪዳን፡ ሓዳር፡ ትርጕሙ እንታይ’ዩ፧ መሰረቱ’ኸ ኣብ ምንታይ’ዩ፧ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት (2018 ዓ.ም) መበል 20 ሰንበት "ከይትጠልሙ መንፈስኩም ሓልዉ" ብዚብል ኣርእስቲ እተመሃርናዮ ትምህርትና ኸም እንዝክሮ፡ ሓዳር በቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚፍጸም “ምስጢረ ተክሊል” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናይ ቃል ኪዳን ስርዓት ዚጅምር፡ እዚ ምስጢር’ዚ ኸኣ ቅድሚ ውድቀት ኣዳምን ሄዋንን ምትእትታው ሓጢኣትን፡ ብኣምላኽ እተሰርዐ ናይ ኵሉ ምስጢራት በዅሪ ምዃኑ፡ ተዘራሪብና’ለና። ሓዳር፡ ብመሰረት’ቲ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ፡ በቲ ኣብ መንጎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን፡ ኣካሉ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያንን ዝመሰሎ፡ ዓብይ ምስጢር’ዩ። ቃል ኪዳን (ሓዳር) ስሉሳዊ’ምበር፡ ክልተኣዊ ኺዳን ዘይምዃኑ ኣቐዲምና ኸም ዝተመሃርናዮ፡ መሰረት ሓዳር፡ ባዕሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ብቓል ኪዳን ሓደ ዚዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ነዚ መሰረት ሓዳር ዝዀነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መሲሎም ኪኸዱ፡ እዚ ኣብ ንሓድሕዶም "ንሱ ኸም’ዚ ምስ ኰነለይ’የ፡ ኣነ ኸም’ዚ ዝኸውን፡ ንሳ’ምበር ከም’ዚ ምስ ኰነትለይ’የ ኣነ ኸም’ዚ ዝኸውን" ካብ ምባል ዜድሕኖም እንኮ መገዲ’ዩ። ዘለናዮ ዘመን ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ካልእ እዋን፡ ብሓደ ወገን፡ ብዛዕባ ሓዳርን ቃል ኪዳንን ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን መምሃሪ ትሕዝቶታትን ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃንን ካልኦት ሜድያን ተቐሪቦምልና ዘለዉሉ፡ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ምፍልላይን ፍትሕን "ምስ ወለድኺ ጽንሒ፡ ምስ ወለድኻ ጽናሕ፡ ምስ ስድራይ ክጸንሕ፡ ስድራኺ ጸውዒ፡ ስድራኻ ጸውዕ" ዚብሉ ስድራቤት ዜፍርሱ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ኣነባብራን ዝበዝሓሉ ዘመን’ዩ። እዚ ኣብ’ቶም ብምስጢረ ቝርባን ንቓል ኪዳኖም ማሕተም ኣብ ዝገብሩ፡ ክርስቲያን’ውን ገኒኑ ዚረኣየሉ ዘሎ፡ ሕማም ናይ ዘለናዮ ወለዶ’ዩ። እቲ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ኢልና እንተ ሓተትና፡ ትርጕም ቃል ኪዳንን ሓዳርን መሰረቱን ብዚግባእ ካብ ዘይምርዳእ’ዩ ዚነቅል። ነፍስ ወከፎም እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መሰረቶም ኪገብሩ እናተገብኦም፡ "ክሳዕ ክንደይ ኣሰር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እስዕብ ኣለኹ፧" ኣብ ክንዲ ምባል፡ "ስድራይ፡ ጐረባብተይ፡ መሓዙተይ ወዘተ. . . ክርእዩለይ" ብዚብል ኣተሓሳስባ፡ ናብ ቃል ኪዳን ይኣትዉ’ሞ፡ ከም’ቲ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሐ ሰብኣይ፡ ኣወዳድቓ ሓዳሮም ዓብይ ኰይኑ ይርከብ (ማቴ 7፡24-27)። መሰረት ቃል ኪዳንን ሓዳርን፡ እቲ ሰባት በዒንቶም ዚርእይዎ ግዙፍ ነገራት ዘይኰነ፡ ቃል ኪዳን ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ክንድ’ቲ ዓለም ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መራኸቢ ብዙሃንን እተርእየና ፈኲስ ትርጕም ሓዳር፡ እቲ ቓል እግዚኣብሔር ዜርእየና ረዚን ትርጕምን ከም እወታዊ ኣርኣያና ወሲድና ኽንነብሮ’ዩ ዚግባእ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ናብ’ዚ ንሰብ ቃል ኪዳን ዚኸውን መልእኽቱ ቕድሚ ምሕላፉ፡ ". . . ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣሳሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። . . ." ብምባል ኣሰሩ እናሰዓቡ ናብ’ቲ ጓሳኦምን ሓላው ነፍሳቶምን ዝዀነ ጐይታ ተመሊሶም ከም ዘለዉ ኣረዲኡ፡ ናብ’ቲ ኸም ሰብ ሓዳር ኪነብርዎ ዘለዎም መልእኽቱ ዝሰገረ (1ጴጥ 2፡21-25)። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶት ዝሓደጐ ኣርኣያ ኸኣ ምእዛዝን ርእስኻ ምውፋይን ዝማእከሉ ህይወት መሪሑ’ዩ ኽሳዕ ሞት፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣስሚሩ። 

እቲ ናይ ሓቂ ክርስቲያናዊ ኣረኣእያ ኣብ ሓዳር ከመይ ዝበለ’ዩ፧ ኣንስትን ሰብኡትን’ ነፍስ ወከፎምን ክልቲኦምን ኪገብርዎ ዘለዎም’ከ እንታይ’ዩ፧ ኣብ’ዚ ሎሚ ዝተነብ’በልና ኽፍሊ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ’ቲ መሰረት ቃል ኪዳን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰሪቶም፡ ንሓዳር ዜቝሙ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብ ናብራኦም፡ ንነፍስወከፎም ዘለዎም ግደን ብሓባር ክልቲኦም ኪገብርዎ ዘለዎም’ዩ ጽሒፉሎም። ውሉድ ውህበት እግዚኣብሔር ስለ ዝዀኑ፡ ንሓንቲ ስድራቤት ውሉድ ኪህልዉዋን ከይህልዉዋን ናይ’ቲ ወሃቢ ውሳኔ ስለ ዝዀነ፡ እታ ስድራቤት ክትህልው፡ መሰረት ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓዳር ኪገብርዎ ዘለዎም’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ምሂሩና (መዝ 127፡3)። እዚ ምዕራፍ’ዚ "ከምኡ’ውን..." ኢሉ ምጅማሩ፡ ትሕዝቶኡ ኣቐዲሙ ዚጅምር ማለት ካብ 1ጴጥ 2፡21 ዚጅምር ሓሳብ ከም ዘለዎ ንርዳእ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓደገልና ኣርኣያ (ማዕተብ) ከመይ ዝበለ ኣነባብራ ኽንነብር ከም ዘለና ኸኣ’ዩ ዚምህረና። መልእኽቱ ድማ ብዘይካ ነቶም ሰብ ኪዳን፡ ንዅሉ ሰብ ዚኸውን ረዚን ትምህርቲ የመሓላልፍ። ሓቀኛ ክርስቲያናዊ ኣረኣእያ ኣብ ሓዳር እምበኣር ነፍስወከፍ’ቶም ሰብ ኪዳን (ብዓልቲ ቤትን ብዓል ቤትን)፡ ኣርኣያ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚስዕቡ ኪዀኑ፡ እምበር ባህርይ መጻምድቶም ከም ቅድመ-ዅነት ኬቕርቡ ኸም ዘይግባእ’ዩ። 

ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ስለምንታይ ክርስቲያን ኣንስቲ ንሰብኡተን - ነቶም ክርስቲያን ዘይኰኑ ድማ’ምበር ነቶም ክርስቲያናት ጥራይ ዘይኰነ - ርእሰን ዚውፍያሉ ሰለስተ ምኽንያት ኣቕሪቡ።

ሀ) ርእሳ ምውፋይ ግዴታ’ዩ፡ እግዚኣብሄር ብዘለኣለማዊ ጥበቡ፡ ብኸም’ዚ ኣገባብ ንቓል ኪዳን ኪሰርዖ ኸሎ፡ ሕጕስን ምልኣት ዘለዎን ሓዳር በዚ መገዲ’ዚ ጥራይ ዚጥረይ ስለ ዝዀነ’ዩ (1ጴጥ 3፡1-2)። ርእሰ-ምውፋይ ብዓልቲ ቤት ንሰብኣያ፡ ካብኡ ዝተታሕተት (inferior) ኣይገብራን’ዩ። ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን፡ ንጸጋ ህይወት ብማዕረ፡ ብሓባር መዋርስቲ ምዃኖም’ዩ ቓል እግዚኣብሄር ኣስሚሩልና (1ጴጥ 3፡7)። ክልቲኦም ካብ ሓመድ ምድሪ ብመልክዕን ምስልን እግዚኣብሄር ኣምላኽ እተፈጥሩ (ዘፍ 1፡28)፡ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ’ዮም (ገላ 3፡28)። እዚ ንመጻምድቲ ዚግበር ርእሰ-ምውፋይ’ዚ ነታ ብዓልቲ ቤት ዜዋርድ ዘይኰነስ ምስ’ቲ ንልቢ ዜሐጕስ ስርዓት እግዚኣብሄር ዝተተሓሓዘ’ዩ (መዝ 19፡8)። ንስርዓት እግዚኣብሄር ምእዛዝ፡ ከም’ቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንመጥምቀ-መለኮት ዮሃንስ መጥምቕ "ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና’ዩ" ኢሉ ብእኡ ኪጥመቕ ዝተገብኦ፡ እዚ ድማ ከምኡ’ዩ (ማቴ 3፡15)።

ለ) ርእሳ ምውፋይ ዕድል’ዩ፡ ነቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰብኡት፡ ናብ ምእዛዝ ቃለ-እግዚኣብሔር ኬምጽኣኦም፡ እተዋህበን ዕድል’ዩ። በዚ ርእሰ-ምውፋይ’ዚ ንነፍሳት ሰብኡተን ኪረብሓ፡ ዓብይ ዕድል ተዋሂብወን ስለ ዘሎ፡ ርእሰን ንሰብኡተን ዚውፍያሉ ጥበብ ኪህልወን’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዒዱ (መሳ 11፡30 ፣ 1ጴጥ 3፡1-2)። ነቲ ቓል ዘይእዘዝ ብዓል ቤት (ሰብኣይ)፡ ብብዙሕ ናይ ቃላት ምግርጫውን ዘይምስምማዕን ቈየቛን ዘይኰነ፡ በካይዳ ብዓልቲ ቤቱ ንቓል እግዚኣብሔር እንተ ተኣዘዘ’ዩ ብሓቂ ረብሓ ዚኸውን። እቲ ንቓል እግዚኣብሔር ዚምህሮ እሞ ዘይነብሮ፡ ንሱ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንእሽቶ ተባሂሉ ኣሎ፡ እቲ ንቓል እግዚኣብሔር እናነበረ ዚምህሮ ግና ዓብይ ስለ ዝዀነ፡ "ብዘይ ቃል" ዚብል ሓሳብ መልእኽቲ ጴጥሮስ፡ ቃል እግዚኣብሔር ምዝራብ ኣየድልይን ማለቱ ዘይኰነ፡ በካይዳአን ነቲ ቓል ሰሊመን፡ ሰብኡተን ንምእዛዝ ቃል እግዚኣብሔር ኪረብሓ ኸም ዘለወን’ዩ ምሂሩ፡ ካዕበት ረብሓ ኸኣ ይረብሓ፡ በቲ ሰብኡተን ንምእዛዝ ቃል እግዚኣብሔር፡ በቲ ኸኣ ኣብ ንሳተን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዓበይቲ ይዀና (ማቴ 5፡19)።

ሐ) ርእሳ ምውፋይ ስልማታ’ዩ፡ ስልማት ዚብል መበቈላዊ ናይ ጽርኢ ቓሉ "ቆሞስ" ዚብል’ዩ፡ ትርጕሙ ኸኣ ስርዓት ዘለዎ ህዋ (the Ordered Universe) ዚብል ከምኡ’ውን መጌጺ (cosmetic) ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ተጻይ ናይ ሕንፍሽፍሽን ዕግርግርን (chaos)’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣንስቲ ኣብ ደጋዊ መጌጺ ኣድሂበን ንዓለም ከይመስላን፣ ውሽጣዊ ባህርየን ምስ ስርዓት እግዚኣብሔር ኣወሃሂደን፡ ውሽጣዊ ጽባቔአን ኬዕብያ’ዩ ምሂሩ። ምስ ካልኦት ኣንስቲ ምእንቲ ኺወዳደራ ወይስ ንሰብኡት ብሓፈሻን ንሰብኡተን ከኣ ብፍላይ ኪስሕባ ምእንቲ ኢለን፡ ጊዝያዊ ብዝዀነ ዓቐኑን ግቡኡን ዝሓ’ለፈ ስልማት ብምብዛሕ ኣብ ክንዲ ጽባቔአን ዜበላሽዋ፡ ለዋህን ህዱእን ዚእዘዝን መንፈስ ኪስለማ ድማ መኺሩ። እዚ ምእዛዝን ርእሰ-ምውፋይን ዚውንና ትብዓት ዝመልአን ኣንስቲ፡ "ኣዋልድ ሳራ" ተባሂለን ይጽውዓ (1ጴጥ 3፡6)።

ብዛዕባ’ዚ ግዴታን ዕድልን ስልማትን ዝዀነ ርእሰ-ምውፋይ ነንስቲ ጥራይ ዚምልከት ገይርና ኸይንወስዶ፡ መዘኻኸሪ ኽንገብረሉ ኣድላዪ’ዩ። ኵልና ህዝበ-ክርስቲያን እቲ ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለና ዝምድና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኪገልጸልና ኸሎ፡ ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ኢልናዮ ዘለና፡ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያኑ’ዩ። በዚ ድማ ነፍስ ወከፍና ርእስና ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምውፋይ ግዴታ ኸም ዘለና፡ ርእስና ኽንቈጽር ይግባእ። እዚ ርእሰ-ወፈያ (submission)’ዚ ኸኣ ክንየው ግዴታ፡ ካልኦት ነፍሳት ክንረብሕ ምእንቲ ዕድልናን ስልማትናን ምዃኑ ተረዲእና፡ ኣሰር’ቲ ስሌና ርእሱ ንሞት ኣሕሊፉ ዝሃበ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክንስዕብ፡ ለዋህን ህዱእን ተኣዛዝን መንፈስ ኪንውንን ይግብኣና።

ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሰብኡት ኣብ ዝሃቦ ትምህርቲ ኸኣ ኣብ’ቲ ምስ ኣንስቶም ዚነብርዎ ናብራ፡ ኣርባዕተ ሓላፍነታዊ ኣነባብራ ኺነብሩ ምዒዱ።

ሀ) ኣካላዊ - "ምስአን ንበሩ"፡ ሓዳር ትርጉሙ፡ ኣካላዊ ዝምድና (ሕብረት) ስለ ዝዀነ፡ ". . . ክልቲኦም ከኣ ሓደ ኣካል ይዀኑ።" ኢሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዘፍ 2፡24 ካ.ት ፣ ኤፌ 5፡31 ካ.ት)። ክርስቲያናዊ ሓዳር ከኣ ሓለፋ’ቲ ኣካላዊ ዝምድና፡ ዓሚቝ መንፈሳዊ ዝምድና ስለ ዘለዎ ኣዝዩ ዝበለጸ’ዩ። ኣብ ብዙሕ "ምዕቡል ዓለም" እነስተብህሎ ዘለና ኣዝዩ ብዙሕ ሓዳር፡ እዚ ብኣካል ብሓደ ምዃን፡ ኣብ ፈተና ወዲቑሉ ዘሎ ዘመን’ዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ ዝበዝሐ ጊዜ "ስራሕ" ’ዩ። ርሂጽና ኽንነብር፡ ሰሪሕና ኽንነብር ግቡእ ሰማያዊ ሕጊ’ኳ እንተዀነ፡ ብዋጋ’ቲ ኣብ ሓዳርና ሓደ ኣካል ኰይንና ኽንነብሮ ዘለና ናብራ ኪኸውን ከነፍቅድ ግና ኣይግባእን’ዩ። ነዚ ምግባር፡ ነቲ ኸኣ ዘይምሕዳግ ይግብኣና’ዩ’ሞ ሚዛኑ ዝሓለወ ናብራ ኽንነብር፡ ማለት ሓዳርና እናሓለና፡ ስራሕና እናሰራሕና ኽንነብር’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ዚምህረና ዘሎ።

ለ) ኣእምሮኣዊ - "በእምሮ ንበሩ"፡ ገለ ሰባት ንብዓልቲ ቤት ኣብ ዓለምና ኻብ ዝነበሩ ዓበይቲ ሊቃውንቲ፡ ኣልበርት ኣይንስታይን፡ "ናይ ዶ/ር ኣይስታይን ክልሰ-ሓሳብ ተዛማድነት ትርድኢዮ’ዶ፧" ኢሎም ብዝሓተትዋ፡ "እቲ ኽልሰ-ሓሳብ ኣይርድኣንን’ዩ፡ ንዶ/ር ግና እርድኦ’የ" ኢላ ዓሚቝ ልቦና ዝመልአ መልሲ መለሰትሎም። ክልተ ሰብ ሓዳር፡ ብሓደ እናነበሩ፡ ንሓድሕዶም ዘይፋለጡ፡ ኪረዳድኡ ዘይክእሉ ኪዀኑ ይከኣል’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ ሰብኡት ነንስቶም ብዚግባእ ምእንቲ ኺርድኡወን፡ ምሳታተን "በእምሮ ንበሩ" ተባሂሉሎም ዘሎ። ነቲ ኣንስቶም ዚዛረብኦ፡ ብምሉእ ልቦም ኪሰምዕወንን፡ ምሳታተን ከኣ ልባዊ ምብህሃል ኪህልዎምን ይግባእ። እቲ ምብህሃሎም ከኣ "ሳህልን (ለውሃትን) ሓቅን ተራኸባ" ከም ዝበለና "ብፍቕሪ ሓቂ" እናተዛረቡ ኪኸውን ከም ዘለዎ’ዩ ቓል እግዚኣብሔር ዚምህረና (መዝ 85፡10፣ ኤፌ 4፡15 ካ.ት)።

ሐ) ስምዒታዊ - "እናኣኽበርኩምወን"፡ እዚ ኣኽብሮት’ዚ ብኸም’ቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ "ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ’ዩ።" ኢሉ ምሂርዎ ዘሎ’ዩ (1ተሰ 4፡4-5)። ሰብኡት ንሰብ ኪዳኖም ኬኽብሩ ማለት ስምዒተንን ሓሳበንን ድልየተንን ኪርድኡለን ምኽኣሎም’ዩ። ኣብ ቤቶም ንዘሎ ስምዒታውን መንፈሳውን ናይ ሙቐት ዓቐን ኣብ’ቲ ዚግባእ ዓቐኑ ኺጸንዕ ዜማእዝኑ ኪዀኑ ይግባእ። ኣብ ቤት ንዘሎ ሓላፍነታት ብማዕረ ምስ ኣንስቶም ተማቒሎም ሓላፍነቶም ኪዋጽኡ ኸለዉ ድማ ዜጠቓልል ኣኽብሮት’ዩ። እቲ ንኣንስቲ "ድኹማት ፍጥረት" ኢሉዎ ዘሎ ብዛዕባ ኣካላዊ ድኻም’ምበር ብዛዕባ መንፈሳዊ ሓደው ሞራላዊ ድኻም ማለቱ ኣይኰነን።

መ) መንፈሳዊ - "ጸሎትኩም ከይዕገት"፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣብ ቤት ዘለዉ ስድራ፡ ሰብኣይን ሰበይትን [ውሉድ’ውን እንተለዉ]፡ መዓልታዊ ብሓደ ኸም ዚጽልዩ፡ ውሁብ ወሲዱ’ዩ ነዚ ሓሳብ’ዚ ምዒዱ። ኣብ ሓድሕዶም ጽቡቕ እንተ ዘየለዉ፡ በዚ ዚጽልይዎ ጸሎት ይዕገት ማለቱ ኸኣ’ዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ነንመዓልቱ በብግሎም ኣብ እግዚኣብሔር ብጸሎት ዚቐርቡሉ ጊዜ ኺህልዎም ይግባእ፡ ብሓባር ድማ ስድራ-ቤታዊ ናይ ጸሎት ጊዜ ኺህልዎም ይግባእ። ምኽንያቱ ጸሎትን ኣገልግሎት ቃል እግዚኣብሔርን፡ ብዘይ ብኵራት ኪግልገል ዘለዎ ኣገልግሎት’ዩ (ግብ 6፡4)። ሰብኣይን ሰበይትን ክልቲኦም "መዋርስቲ" ስለ ዝዀኑ፡ ኣንስቲ ርእሰን ንሰብኡተን ብምውፋይን ብምእዛዝን ብለዋህን ህዱእን መንፈስ ምስ ሰብኡተን፡ ሰብኡት ከኣ በእምሮ፡ ኣንስቶም ብዚግባእ እናኣኽበሩ ምስ ሰብ ኪዳኖም ምስ ዚነብሩ፡ ክልቲኦም ኣሰር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናሰዓቡ ኺነብሩ ኸለዉ፡ ኵሉ መንፈሳዊ ጸጋ ህይወት እናኣስተማቐሩ ኺነብሩ ይኽእሉ። እምበኣርከ ሎሚ ዅልና እቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ሓዳርና ኸመይ ንነብር ኣለና፧

ኣብ መደምደምታ፡ ክልቲኦም እቶም ሰብ ኪዳን ኪፈርይዎ ዘለዎም መንፈሳዊ ፍረታት፡ በቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘርዚርዎ ዘሎ ኣቕሪብና፡ መልእኽትና ኽንዛዝም። እዚ ፍረ’ዚ ኣብ ሓዳር ንዘለዉ ጥራይ ዚምልከት ኣይኰነን፡ ኵሉ ክርስቲያን ዘበለ ኺፈርዮ ዘለዎ ፍረ መንፈስ ቅዱስ’ዩ’ሞ፡ በዚ ፍረ’ዚ ህይወትና ኸመይ ትፈርይ ከም ዘላ እናመርመርና፡ ንፍረይ። ኵላትና ሓደ ዝሓሳብና፡ እንደናገጽ፡ ሕውነት እነፍቅር፡ ለዋሃት፡ ትሑታት፡ መረቕቲ እምበር እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ዘይንመልስ ክንከውን እግዚኣብሔር በዚ ፍረ’ዚ የፍርየና (1ጴጥ 3፡8-9)። በዚ ኸም’ዚ ኣብ ማእከል’ዛ ብልሽውቲ ዓለም፡ ቅዱስን እግዚኣብሔር ዚሕጐሰሉን ዚንእዶን ኣብ መወዳእታ ድማ ዓስቢ ጸጋ ህይወት ዚሽልሞን ህይወትን ስድራቤትን ክንመርሕ፡ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተመሃርናዮ ምህሮ ኽንነብር እግዚኣብሄር ይደግፈና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

11 ጥቅምቲ 2026 | 1 ጥቅምቲ, 2019 ግዕዝ (መበል 5 ሰንበት)

 ምስባክ

መዝ: 127(128)፡2-3 "ፍረ ፃማከ ተሴሰይ። ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ። ብእሲትከ ከመ ወይን ሥሙር ውስተ ጽርሐ ቤትከ።"

"ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ’ሞ፡ ብጹእ ኢኻ፡ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ'ዮም።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 9፡1-12 

ዲያቆን

1ጴጥ 3፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 21፡31-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 3፡25-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ትዌድሶ መርዓት

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div