በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፥ ኣሓዱ ኣምላክ፥ ኣሜን።
ን2017 ዓመተ ትምህርቲ ዝምልከት ሓበሬታ ቁ. 2 (ንነባራትን ሓደስቲ ተመሃሮን ይምልከት)
ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም እትነብሩ ነባራትን ሓደስትን ተመሃሮ፡ ንኽሉ ውልቃዊ ጸገማትን፡ ህሉዊ ጽንኩር ኩነታት ሕዝብናን ተጻዊርኩም ንትምህርቲ ስነ-መለኮት ተውሕዶ እተርእይዎ ዘሎኹም ግብረ መልሲ ካብ ትጽቢትና ወጻእን ኣዝዩ
“ኣብ ማእከልኩም ዝጸበቦ፡ እንተ’ሎ፡ ይጸልይ። ሕጒስ እንተ’ሎ ድማ ይዘምር። ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተ’ሎ ንመራሕቲ ቤተ ክርስትያን ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ፡ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ’ያ። ጐይታ’ውን (ካብ ዓራቱ) ኬተንስኦ’ዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑ’ውን ኪሕደገሉ’ዩ።” ያእ 5፡13-15 ካ.ት
“ኣቱም ኣሕወተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሓምይ፡ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ፡ ነቲ ሕጊ ይሓምዮ፡ ኣብ ሕጊ’ውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና ፈራዲ’ምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን።”ያእ 4፡11
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፥ ኣሓዱ ኣምላክ፥ ኣሜን።
ን2017 ዓመተ ትምህርቲ ዝምልከት ሓበሬታ (ንኹሎም ኣብ ትምህርቲ ስነ መለኮት ዝምሃሩ ይምልከት)
“ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ፡ ካብ ምንዝርና’ውን ክትርሕቁ’ዩ። ነፍሲ ወከፍኩም ምስ ብዓልቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ብኽብርን ምንባር (ምሕላይ) ይፍለጥ። ከም’ቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድማ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ።....ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር’ዩ ጸዊዑና።” 1ተሰ 4፡3-5።
መዓልታዊ ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቕ
ሰንበት 30 ሚያዝያ 2017
ቀዳም 29 ሚያዝያ 2017
ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ነቲ ብመራሕቲ ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡን ዝተወሰነ ውግዘት፥ ንስኻትኩም ኢኹም ኣለዓዒልኩሞ ብዝብል ምኽንያት መንግስቲ ኤርትራ ንኽኣስሮም ይደናደን ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጹ ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ከምዝተገደዱ ገሊጾም። እቶም ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ፥ ካብዘን ዝሰዕባ አድባራት ዝተሰዱ እዮም።
“ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም’ሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ’ምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ (ንሓጢኣት) ምኽንያት ኣይትግበርዎ። ማለት ኵሉ ሕጊ በታ፡ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር፡” እትብል ሓንቲ ቓል’ዩ ዚፍጸም። ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን (እንተ) ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።” ገላ 5፡13-15።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ