መዓልታዊ ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቕ
ረቡዕ 31 ግንቦት 2017
ሰንበት 19 ሚያዝያ 2015: “ክርስቲያን ምዃን” ጥራይ ዝበደሎም 30 ሓበሻ (ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን) ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ብኣረሜናውያን ብዘሰቅቅ ኩነታት ኣገባብ ኣብ ሊብያ ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ንስድራ ቤቶም እግዚኣብሔር ምጽንናዕ ክህብ ነቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ዝዓረፉ ሰማእታት ድማ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም ወትሩ ብጸሎት ክትዝክሮም ክትነብር እያ።
“ኣቱም ኣሕወተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሓምይ፡ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ፡ ነቲ ሕጊ ይሓምዮ፡ ኣብ ሕጊ’ውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና ፈራዲ’ምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን።”ያእ 4፡11
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፥ ኣሓዱ ኣምላክ፥ ኣሜን።
ን2017 ዓመተ ትምህርቲ ዝምልከት ሓበሬታ ቁ. 2 (ንነባራትን ሓደስቲ ተመሃሮን ይምልከት)
ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም እትነብሩ ነባራትን ሓደስትን ተመሃሮ፡ ንኽሉ ውልቃዊ ጸገማትን፡ ህሉዊ ጽንኩር ኩነታት ሕዝብናን ተጻዊርኩም ንትምህርቲ ስነ-መለኮት ተውሕዶ እተርእይዎ ዘሎኹም ግብረ መልሲ ካብ ትጽቢትና ወጻእን ኣዝዩ
ቀዳም 14 መጋቢት 2015 (March 14, 2015) ብክፍሊ ትምህርትን ስብከትን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ዝተዳለወ ንሰብ ቃል-ኪዳን ዝምልከት ኣዝዩ ዕዉት ዝኾነ ናይ ሓደ መዓልቲ ትምህርታዊ መደብ ኣብ ደብረ ሰላም መድሃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ተኻይዱ። እቲ ንንውሕ ዝበለ እዋን ምድላዋት ዝተገብረሉ
“ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ፡ ካብ ምንዝርና’ውን ክትርሕቁ’ዩ። ነፍሲ ወከፍኩም ምስ ብዓልቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ብኽብርን ምንባር (ምሕላይ) ይፍለጥ። ከም’ቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድማ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ።....ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር’ዩ ጸዊዑና።” 1ተሰ 4፡3-5።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ‘መስቀሉ ጸይሩ…ንዓይ ኣይበቅዕን” /ማቴ 10፡38/ ዝብል ኣቕሪበ ነይረ። መስቀል ምጻር ማለት ድማ እንታይ ምኻኑ ጽሒፈ ነይረ። ሎሚ ድማ “መስቀል ንዓና እንታይ እዩ” ዝብል 2ይ ክፋል እንሆ። ኣብዚ ጽሑፍዚ’ዚ እቲ ቀንዲ መልእኽቱ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ