“ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም’ሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ’ምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ (ንሓጢኣት) ምኽንያት ኣይትግበርዎ። ማለት ኵሉ ሕጊ በታ፡ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር፡” እትብል ሓንቲ ቓል’ዩ ዚፍጸም። ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን (እንተ) ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።” ገላ 5፡13-15።
እዚ ሰንበት’ዚ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዋዜማ ናይ ምእታው ዓብይ ጾም (በአተ ዓቢይ ጾም) ድማ’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ሰንበት’ዚ “ዘወረደ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኰይኑ፡ መላግቦ ኽልተ ዘመናት’ዩ። ደጊም ካብ ዘመነ ኣስተርእዮ ናብ ዘመነ ጾም ንሰግር ኣለና። እዚ ንኣትዎ ዘለና ጾም፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ዓብይ ጾም፡ ርእሰ ኣጽዋማት፡ ጾመ’ርብዓ፡ ጾመ ኢየሱስ” ኢላ ብዝተፈላለየ ስማት ትጽውዖ። “ዓብይ ጾምን ርእሰ ኣጽዋማትን” ዚብል ስያመ፡ በቲ ዓብዪ ጐይታ ዝተጾመ ጾም ስለ ዝዀነ፡ ርእሲ ዅሉ ኣጽዋማት ከም ዝዀነ ዜመልክተና’ዩ። ጾመ’ርብዓ (ጾመ ኣርብዓ) ዚበሃለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ካብ’ተን 55 ናይ ዓብይ ጾም መዓልታት፡ ነተን 40 መዓልታት ጥራሕ ክሳዕ ቅዳሴ ዚውዳእ ምግቢ ኸይለኸፍና ስለ ንጾመን፡ ነተን ዝተረፋ 15 መዓልታት (7 ሰናብትን 8 ቀዳማትን) ግና፡ ናይ ጥልላት ወይ ብልዖት ምግቢ ካብ ምምጋብ ደኣ ንጸውም’ምበር፡ ከይበላዕና ጾምና ስለ ዘይንውዕል’ዩ።
እዚ ጾም’ዚ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም’ዩ። ከም’ቲ ብዛዕባ ጾመ-ነብያት ክንመሃር ከለና ዝረኣናዮ፡ ጾመ ነብያት ብምጻም ኣብ’ቲ ናይ ቅዱሳን ነብያት ናይ ጾም ገድሊ ንሓብር። ጾመ-ኢየሱስ ብምጻም ድማ ኣብ’ቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነትናን ኣርኣያናን ዘካየዶ ናይ ጾም ገድሊ ንሓብር ማለት’ዩ። ጐይታና ተጠሚቑ ኻብ ርባ ዮርዳኖስ ምስ ወጸ፡ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ ብናይ መንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ብዲያብሎስ ኪፍተን ናብ በረኻ ወጸ። ዘይከማና 40 መዓልትን ለይትን ዚስተይ ይኹን ዚብላዕ ከይለኸፈ፡ ብጾምን ብጸሎትን ምስ ድያብሎስ ከቢድ ገድሊ ተጋደለ። ከም ፍጹም ሰብ መጠን፡ ብዘይካ ሓጢኣት፡ ኵሉ ኻልእ ናይ ስጋ ባህርያት ስለ ዝነበሮ፡ እቲ ዘይምምጋብ ኣብ ሰብነት ዚፈጥሮ ዅሉ ናይ ጥምየት፡ ጽምኣት፡ ድኻም ወዘተ ስምዒታት ተሰሚዕዎ’ዩ። ምስ መለኮት ዝተዋህደ ስጋ ስለ ዝዀነስ፡ ነቲ ድኻም ስጋ ብሓይሊ መለኮት ከም ዘይስምዖ ኣይገበረን። ስለ’ዚ ድማ ኢና “ፍጹም ሰብ” ምዃኑ እንኣምን። ናይ 40 መዓልቲ ጾም፡ ኣዝዩ ኸቢድ’ኳ እንተ ዀነ፡ ሰብ ዘይክእሎ ጾም ግን ኣይኰነን። እቲ ሰብ ጥራሕ ዝዀነ ነብዪ ሙሴ’ውን ጸይምዎ’ዩ። ከም’ዚ ዝጾሙ ባሕታውያንን ገዳማውያንን ከም ዘለዉ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን’ውን የረጋግጸልና’ዩ። ኣብ’ዚ ነዊሕ ናይ ጾም ጊዜኡ፡ ጐይታና ብድያብሎስ ብዙሕ ተፈቲኑ’ዩ። እተን ኣብ ወንጌላት ዝተጠቕሳልና ሰለስተ ፈተናታት ጥራሕ ኣይኰነን። ንሳተን’ሞ ኣብ ሓንቲ ረፍዲ ጥራሕ’ኳ ተፈቲኑ ኺውድአን ዚኽእል’ዩ። እቲ ዝተረፈ 39 መዓልታት ዚኣክል ጊዜ ግን፡ ከይተፈተነ ሓሊፍዎ ኺበሃል ኣይግባእን። ከም ወካሊ ኣብነት ግና፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ነተን ሰለስተ ፈተናታት ብወንጌላውያን ኣገልገልቱ ገይሩ ጸሓፈልና። ነዘን ፈተናታት’ዚኣተን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ሠለስቱ አርእስተ ኃጣውእ” (ሰለስተ ኣርእስቲ-ሓጢኣት) ኢላ ትሰምየን። ንሳተን ከኣ፡
1. ስሰዐ 2. ትዕቢት 3. ፍቕረ-ንዋይ (ፍቕሪ ገንዘብ) እየን።
ካብ’ዚ ናይ ጐይታና ጾም እንመሃሮ ዝዓበየ ትምህርቲ፡ እቲ ቕኑዕን ሓቀኛን ጾም፡ ነቲ ብዙሕ ዘርእስቱ ፈተናታት ድያብሎስ እንስዕረሉ ሓይሊ ከም ዜዕጥቐና’ዩ። ኣብ’ቲ “ፍኖተ ህይወት” ዘርእስቱ ናይ ቤተ ክርስትያንና መሰረተ እምነት ዜስተምህር መጽሓፍ፡ ኣብ’ቲ “ስነ-ምግባር” ዘርእስቱ 3ይ ክፋል፡ ኣብ ትሕቲ “ግብረ ኣምልኾ” ዚብል ምዕራፍ ብስፍሓትን ብዕምቘትን ተገሊጹልና ስለ ዘሎ፡ ናይ ሰበኻ ኣብያተ ክርስትያን ናይ ትምህርቲ መደብ ሰሪዐን ህዝበን ብዛዕባ ጾም ኬስተምህራን፡ ኵሉ ኣገልጋልን ምእመንን ቅቡልን ዕዉትን ዘመነ ጾም ኪፍጽም ኪረድኣኦን ይግባእ።
እዚ ሰንበት’ዝን ድሕሪኡ ዘሎ ሰሙንን “ዘወረደ” ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣና ምእንቲ ኼድሕን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምላዱ ንኼመልክት’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ዮሃ 3፡13-15 ብንጹር ተጠቒሱ ኣሎ። ከይወረደን መዋቲ ስጋና ኸይለበሰን ምእንታና ተሰቒሉ ኼድሕነና ስለ ዘይክእል፡ እዚ ዓብይ ጾም’ዚ “ዘወረደ” ኢሉ ኺጅምር ግቡእ’ዩ። እዛ ናይ ዓብይ ጾም ቀዳመይቲ ሰሙን “ጾመ ህርቃል” ተባሂላ’ውን ትጽዋዕ’ያ። ህርቃል (ኤራቅሊዮስ) ኣብ ዘመነ ቢዛንታይ ናይ ቍስጥንጥንያ (ግዝኣት ሮማ) ንጉስ ዝነበረ’ዩ። ኣብ ዘመኑ ፋርሳውያን (Persions) ንኢየሩሳሌም ወሪሮም ሒዞምዋ ስለ ዝነበሩ ንእኣ ሓራ ኼውጽእ ንውግእ ይኸደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ቤተ ክርስትያን እግዚአብሔር ዓወት ምእንቲ ኺህቦ ምእንትኡ ዝጾመትሉ ጊዜ ዜመልክት’ዩ። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ መጽሓፈ ስንክሳር ኣብ መጋቢት 10 ተተሪኹልና ኣሎ። እቲ ታሪኽ ሽዑ ኣብቂዑ ኽነሱ፡ እቲ ጾም ግን ክሳዕ ሕጂ ዚቕጽለሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ሕጂ’ውን ምእንቲ መራሕትና ብጾምን ጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ምእንቲ ኽንቀርብ’ዩ። ምእንቲ’ቶም ኣብ ዘመንና ዘለዉ መራሕትና ኽንጽልይ ከም ዚግብኣና፡ ቅዱስ ጳውሎስ ብኣጽንዖት ምዒዱናን ኣዚዙናን ኣሎ (1ጢሞ 2፡1-4)።
ነዚ “ዘወረደ” ዝተሰምየ ቀዳማይ ሰንበት ዝተሰርዐ መዝሙር፡ “ተቀነዩ ለእግዚአብሔር” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር’ዚ፡ ነቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኽልተ ኣማራጺ ምስባካት (ጥቕስታት) መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ’ዩ (መዝ 2፡10-12፣ መዝ 100፡3-5)። ከምኡ’ውን ካብ መዝ 95፡7፣ ማቴ 9፡13፣ ማር 2፡27 ዝተጠቕሰ ትሕዝቶ ኣለዎ። እቲ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ዝወለደ ትሕዝቶ ናይ’ዛ መዝሙር ግን “ንጹም ጾመ፡ ወናፍቅር ቢጸነ፡ ወንትፋቀር በበይናቲነ” (ጾም ንጹም፡ ብጻይና ነፍቅር፡ ንሓድሕድና ንፋቐር) ዚብል’ዩ። እቲ በዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ዝተሰርዐ ንባብ ናይ ገላ 5፡13-ፍጻመ ድማ፡ ነዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ዝሓዘ’ዩ።
ኣብ መባእታ ናይ’ዚ ጾም፡ ብዛዕባ ብፍቕሪ ምግዝዛእ ክንመሃር ዘድልየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ “ጾም” ኪበሃል ከሎ ወይ ቤተ ክርስትያን ዝሰርዓቶ ዘመነ-ጾም ኪቐርብ ከሎ ቀዳማይ ናብ ኣእምሮና ኺመጽእ ዚግብኦ ኣርእስቲ፡ ፍቕሪ’ዩ። ምኽንያቱ ጾም፡ ሓደ ሰብ ኪፍጸሞም ካብ ዚኽእል ኪቢድ ዋጋንን ትዕግስትን ካብ ዚጠልቡ ስነ ምግባራት ሓደ’ዩ። እዚ ኸቢድ ስነ-ምግባር’ዚ ፈጺምካ ኸተብቅዕ፡ እግዚአብሔር ዘይቅበሎ ምስ ዚኸውን፡ መንፈሳዊ ወጽዓ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከቢድ ስጋዊ ወጽዓን ክሳራን’ውን’ዩ። እስራኤላውያን እግዚአብሔር ንጾሞም ከም ዘይተቐበሎ ምስ ፈለጡ፡ “ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይረኣኻና፡ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና ንስኻ’ውን ግዲ ዘይገበርካ፧” ኢሎም ሓተቱ (ኢሳ 58፡3)። ንጾም ጾም ዚገብሮ ተቐባልነቱ’ምበር፡ ክብደት ስቓዩ ኣይኰነን። ንዅሉ ስነ ምግባርን ውህበታትን ኣገልግሎታትን፡ ትርጕምን ተቐባልነት እተጐናጽፎ ድማ ፍቕሪ’ያ (1ቈረ 13፡1-3)። ብዘይ ፍቕሪ ዚግበር ጾም ተቐባልነት ጥራሕ ኣይኰነን ዜስእን። ከቢድ ቍጥዓን ፍርድን’ውን የውርድ’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ መበል 19 ሰንበት “ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ሰብ” ዚብል ትምህርትና ነዚ ሓቂ’ዚ ብስፍሓት ርኢናዮ ኢና። ብፍቕሪ ዘይተሰነየን ዘይማዕረገን ጾም፡ ዕርቃኑ ዝወጸን ዜነውርን ከንቱን ጾም’ዩ።
ፍቕሪ እንተ ዘይብልና፡ ንበይና ፍቕሪ ጥራሕ ኣይኰነትን ዘይትህልወና። ኵሉ’ቲ ብናይ ፍቕሪ ደራኽነትን ኣኽኣልነትን ዚትግበር ስነ ምግባራት’ውን የብልናን ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ፍቕሪ ንዅሉ ትእዛዛት ዝሓቘፈት ርእሲ ዅሉ ስነ- ምግባራት’ያ። ነዚ ድማ ጐይታና ዀነ ኵሎም ሃዋርያት ኣረጋጊጾምልና’ዮም (ማቴ 22፡34-40፣ ሮሜ 13፡8-10፣ 1ቈረ 13፡4-7)። ፍቕሪ፡ መፍትሕ-ኵሉ (Masterkey) እያ። ፍቕሪ ዘይብሉ ጾም፡ ልክዕ ፋስ ዘይብሉ ልዓት (Handle ወይ ማኒኮ) ሒዝካ ኽትቈርጽ ወይ ክትፍልጽ ከም ምፍታን’ዩ። ሰይጣን ድማ ኪጸውም ንዘንቀደ ሰብ ኣይቃወምን’ዩ። ብስጋን ብመንፈስን ኪውጻዕ ስለ ዚደልዮ እቲ ንጾሙ ትርጒም ዜልብሶ ፍቕርን ንእኡ ዜሰንይ ግብርታትን ከይህልዎ ጥራሕ’ዩ ዚጋደል። ከም’ቲ ኣብ ኢሳ 58፡3-5 ተጠቒሱ ዘሎ፡ እናተጓሰጥካ፡ እናተናጸኻ፡ እናተጻረፍካ ወዘተ እንተ ጾምካሉ፡ ብጾምካ ንርእስኻን ንኣምላኽካን ዘይኰነስ ንእኡ ተገልግሎ ስለ ዘለኻ፡ ብጾምካ ዕጉብ’ዩ፡ ከተቋርጾ’ውን ኣይደልየካን’ዩ። ምኽንያቱ በቲ ጾምካ ስለ’ትጥበር፡ ንስሓን ኣካይዳኻ ምቕናዕን ዚበሃል ፈጺሙ ኣይረኣየካን’ዩ። ስለ’ዚ ገሃነም ክሳዕ ‘ትኣትው፡ ኣብ ልዕለኻ ዋንነቱ ኣውሒሱ’ዩ።
እዚ መሪሕ ጥቕስና፡ ንምንታይ’ዩ ንፍቕርን ምግዝዛእን ዜዛምዶም ዘሎ፧ ብኸመይ’ዮምከ ዚዛመዱ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ናብ ሕመረት (ቀንዲ ፍረ-ነገር) (Essence) ናይ’ዚ ኣርእስትና ዚመርሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ። ናይ ፍቕሪ ዝለዓለ መለክዒ፡ ነቲ ዘፍቀርካዮ ኣካል ክትግዛእን በጃኡ ኽትከውንን ምፍቃድ’ዩ። ንኣምላኽን ንሰብን ምፍቃር፡ ንወዲ ሰብ ዝተዋህበ ናይ ህይወት ተልእኾ’ዩ። ንኣምላኽ ምፍቃር፡ ከም’ቲ ጐይታና ዝበሎ፡ ቀዳመይትን ዓባይን ትእዛዝ’ያ። ንብጻይካ ብኣርኣያ ስላሴ ንዝተፈጥረ ዅሉ ሓውካ/ሓብትኻ ምፍቃር ድማ፡ ካልኣይቲ ዓባይ ትእዛዝ’ያ (ማቴ 22፡34-40)። ንፍቕሪ ኽልተ ገጻት’ዩ ዘለዋ። እቲ ቐዳማይ ስምዒታዊ (Emotional) ገጽ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ እቲ ግብራዊ ገጽ’ዩ። ነዚ ክልቲኡ ገጻት’ዚ ፈጺምካ ኽትፈላልዮ ኣይከኣልን’ዩ። ንሓንቲ ገጽ ናይ ፍቕሪ ጥራሕ ዚመርጽ ሰብ፡ ካልኣይ ገጽ ዘይብላ ሳንቲም ኬርእይ ዚጋደል ሰብ’ዩ ዚመስል። ይትረፍ ኪትግበር ኪሕሰብ’ውን ዘይክእል’ዩ። ሓንቲ ሳንቲም፡ ሓንቲ ገጽ ጥራሕ ክትህልዋ ኣይትኽእልን’ያ። ኣላ ኽንብል እንተ ዄንና ኣብ ወረቐት ዝተሳእለት ሳንቲም ጥራሕ’ያ ኽትከውን እትኽእል። ነታ ስእሊ ገልቢጥካ ነቲ ኻልኣይ ገጽ ናይ’ታ ሳንቲም ክትርእይ እንተ ፈተንካ፡ ናይ’ቲ ወረቐት’ምበር፡ ናይ’ታ ሳንቲም ገጽ ኣይኰንካን ‘ትርእይ።
ፍቕሪ’ውን ልክዕ ከምኡ’ያ። ስምዒታዊ ገጽ ዘለዋ’ምበር ግብራዊ ገጽ ዘይብላ ፍቕሪ ሒዝካ፡ “አፍቅር’የ” ኽትብል ኣይከኣልን’ዩ’ኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ኣይግባእን’ዩ። ንእተፍቅሮ ሰብ ክትርእይ ወይ ክትረክብ፡ ወይ’ውን ምስኡ ኽትከውን ከለኻ ዚስምዓካ ስምዒታት ኣሎ። ንጊዜኡ ይኹን ንሓዋሩ ኽትፍለዮን ክትስእኖን ከለኻ ዚስምዓካ ዘይጥዑም ስምዒታት’ውን ኣሎ። ከም’ዚ ዘመሰለ ባህርያዊ ፍቕሪ ዋላ ኣብ እንስሳ ዘቤትን፡ ኣብ ዝተገርሐ እንስሳ መሮርን’ውን ዚርከብ’ዩ።
እቲ ብምስሊ ኣምላኽ ብምፍጣርና ዝወረስናዮ መንፈሳዊ ፍቕሪ ግን ከም ባህርያዊ ፍቕሪ ብስምዒታዊ መልክዑ ጥራሕ ዘይኰነ ብግብራዊ መልክዑ’ውን ዚፍጸም ፍቕሪ’ዩ። ሓደ ኻብ’ቲ ግብራዊ መልክዑ ድማ ነቲ እተፍቅሮ ፈቲኻን ተሓጒስካን ተገዛኢ ምዃንን ምግልጋልን’ዩ። ተገዛኢ ምዃን ማለት ንፍቓድካ ንጐኒ ገዲፍካን መስዋእቲ ጌርካን፡ ንፍቓድ ናይ’ቲ እተፍቅሮ ሰብ ከተገልግልን ከተማልእን ፍቓደኛ ምዃንን ተሓጒስካ ምፍጻሙን’ዩ። ተገዛኢ ምዃን ማለት ኣገልጋሊ ምዃን ማለት’ዩ። ሰባት ድማ ካብ’ቲ ናይ ሰይጣን ናይ ትዕቢት ማይ ብሑቕ ስለ ዝለኸፍና፡ ተገዛእነትን ኣገልጋልነትን ከም ዕረ ይመርረና’ዩ። ይትረፍ ንኸም’ዚ ኸማና ሰብ፡ ዋላ ነቲ ፈጣሪና ኣምላኽ ተገዛእቲ ምዃንን ምግልጋልን’ኳ ኣይንፈትውን ኢና። ንትእዛዛቱ ከይንእዘዝ ንፍቓዱ ኸይንፍጽም ዚዓግተና ኸኣ ንሱ’ዩ። ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ፡ ሓደ ዝገጹ ኣፋዊ ወይ ስምዒታዊ ፍቕሪ ጥራሕ ስለ ዝዀነ፡ ብኣፍና ኽንቀርብ፡ ብኣፍና ፍቕሪ ኸነርእዮ ጥራሕ ኢና ንደልይ (ኢሳ 29፡13,14፣ 58፡1-2፣ ህዝ 33፡30-32፣ ኤር 3፡4,5)። እቲ ምስ ሰብ ዘሎና ፍቕሪ’ውን ካብ’ዚ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ንሰብ ክንገዝእ’ምበር፡ ንሰብ ክንግዛእ ኣይንደልን ኢና። ንኸም’ዚ ዝበለ ናይ ጽቡቕ ፍቓድ ድኽነት ኣሕሊፉ ዚህበና ኸኣ፡ እቲ ዘሎና ናይ ግብራዊ ፍቕሪ ድኽነት’ዩ። እታ እተኽእል ፍቕሪ እንተ ዘይብልና፡ ነቲ ንኸማና ሰብ ተገዛእቲ ዚገብረና መንፈሳዊ ባህርያት ክንውንኖን ከነንጸባርቖን ኣይንኽእል ኢና።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመለኮቱ ዀነ ብስጋኡ ነዚ ናይ ፍቕሪ ተገዛእነት ብግብሪ ኣርእዩና’ዩ። ብመለኮቱ ካብ ኣቦ ብገለ’ኳ ዘይንእስ ብዅለንተናኡ ሓደን ማዕረን ክነሱ፡ ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ዘርኣዮ ተገዛእነት ብቓላት ኪግለጽ ዚኽእል’ውን ኣይኰነን። ብፍቓድ ኣቦኡ ንዅሉ ፍጥረታት ካብ ምፍጣር ኣትሒዙ ኽሳዕ ሞት መስቀል ተኣዘዘ (ቈሎ 1፡15,16፣ እብ 1፡2፣ 5፡5-10፣ ፊል 2፡5-8)። ካብ ናይ ኣቦኡ ዝተፈልየ ሕማቕ ፍቓድ ሃልይዎ ዘይኰነስ፡ ነቦኡ ኬኽብር ስለ ዝመረጸ ጥራሕ፡ ፍቓድ ርእሱ ዘይኰነ ፍቓድ ኣቦኡ ኺገብር ከም ዝመጸ፡ ንፍቓድ ኣቦኡ ምፍጻም ልክዕ ከም ምግቢ ምምጋብ፡ ከም መሰረታዊ ድልየት (Basic Necessity) ይርእዮ ነበረ (ማቴ 26፡39፣ ዮሃ 4፡34፣ 5፡30፣ 6፡38)። ብኣቦ ተላኢኹ’ምበር፡ ባዕሉ ኸም ዘይመጸ፣ ኵሉ’ቲ ዚዛረቦን ዚገብሮን ድማ ካብ ኣቦ ኸም ዝወሰዶ’ምበር፡ ናቱ ኸም ዘይኰነ፣ ነቦኡ ኬኽብር’ምበር፡ ርእሱ ኬኽብር ከም ዘይደልይ፡ ኣዝዩ መሃሪ ብዝዀነ ኣገባብ፡ ብተደጋጋሚ ይእመን ነበረ (ዮሃ 8፡42፣ ዮሃ 5፡19,20,30-32,36፣ 7፡16,18,28,29,33፣ 8፡16,26,28,29,40,50,54፣ 10፡36፣11,42፣ 12፡48-50፣ 14፡10,24)። ሕሉፍ ሓሊፍዎ፡ ብእግዚአብሔር ኣቦኡ ከም “ባርያኡ” ዝተገልጸሉ ኣጋጣሚታት’ውን ውሑድ ኣይኰነን። እዚ ሓቂ’ዚ ብቕዱሳን ነብያት ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ’ዩ። ብኣካለ ስጋ ምስ ተጋህደ ድማ ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ብግብሪ ፈጸሞ (ኢሳ 49፡3,6,7፣ 53፡10,11፣42፡1-4፣ ማቴ 12፡17-21)። እዚ ዅሉ ናይ ወልድ ተገዛእነት ድማ ካብ’ቲ ነቦኡ ዘለዎ ፍቕሪ ዝተላዕለ ኸም ዝዀነ ጐይታና ባዕሉ፦
“ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮን፡ ከም’ታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ’ውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከም’ዚ ይኸውን ኣሎ። ...... “ ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ (ዮሃ 14፡31)።
ናይ ወልድ ተገዛእነት ወይ ኣገልጋልነት ግን፡ ነቲ ብዅሉ ነገር ማዕሪኡ ዝዀነ እግዚአብሔር ኣቦኡ ጥራሕ ኣይነበረን። ዋላ ነቶም ብመለኮት ኰነ ብስጋ ኣዝዩ ዚዓብዮም ደቀ መዛሙርቱ’ውን ብምኽንያት ፍቕሩ ኸም ዝተገዝኦምን ከም ዘገልግሎምን ጐይታና ባዕሉ ገሊጹልና’ዩ። ከም ስጋ ለበስ ሰብ መጠን፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንና ዀን ይበልጽ፧ መንና ዀን ይዓብይ፧” ዚብል ሓሳብ ኣብ ልቦም ይለዓሎም፡ ኣፎም ከፊቶም’ውን ይከራኸሩሉ ነበሩ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ምስ’ቲ ናይ ክርስቶስ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ኣዝዩ ተጻራርን፡ ከምኡ’ውን ስጋውን ሰይጣናውን ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበረ፡ ጐይታና ኺእርሞም ወሰነ’ሞ፡ ነታ ናቱ ኣርኣያን መምርሕን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገለጸሎም።
“ነህዛብ እቶም ከም ሹማምንቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚመልክዎም። እቶም ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚስልጥኑ (ከም ዚመልክዎም) ትፈልጡ ኢኹም። ኣባኻትኩም (ኣብ ሰዓብተይ) ግና ከምኡ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደልይ ኣገልጋሊኹም (ግዙእኩም) ደኣ ይኹን። እቲ ኻባኻትኩም ጐይታ (ምርኡይ) ኪኸውን ዚደልይ ከኣ፡ ንሱ ልኡኽ ኵልኹም (ባርያ ዅልኹም) ይኹን። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ወዲ ሰብ (ንኻልኦት) ኬገልግልን ህይወቱ በጃ ብዙሓት ኪህብን’ምበር፡ ኬገልግልዎ (ኢሉ) ኣይመጸን።” ማር 10፡42-45 ካ.ት።
“እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኻብኣቶም መን ከም ዚዓብይ ኣብ ማእከሎም ክትዕ ተላዕለ። ኢየሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ፈሊጡ፡ ሓደ ህጻን ወሲዱ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣበሎ። (ንኣታቶም ድማ)፡ “.....እቲ ዓብይ ዚኸውን፡ እቲ ኣብ ማእከል ኵሉኹም ዚንእስ’ዩ፡” በሎም።” ሉቃ 9፡46-48 ካ.ት።
“እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ካባና ዓብዪ ዀይኑ ዚረኣይ መን’ዩ፧” እናበሉ ንሓድሕዶም ተኸራኸሩ። ሽዑ ኢየሱስ ከም’ዚ በሎም፦ “ነህዛብ ነገስታቶም’ዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ስልጣን (ምልኪ) ዘለዎም ድማ “ገበርቲ ሰናይ (ሕያዎት)” ይብሃሉ። ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ። እቲ ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታ’ውን ከም ጊልያ (ከም ግዙእ) ደኣ ይኹን። ካብ’ቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን ካብ’ቲ ዜገልግልን ኣየናዮም ይዓብይ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥዶ’ይኰነን፡ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ’የ።” ሉቃ 22፡24-27 ካ.ት።
ኣብ’ዚ ተደጋጋሚ ዚመስል ግን ከኣ ነናቱ ፍሉይነት ናይ ኣገላልጻ ዘለዎ ኽፍልታት ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ እግዚአብሔር ኣቦኡ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናይ’ቶም ብመለኮቱ ጥራሕ ዘይኰነስ ብስጋ’ውን ኣዝዮም ዚንእስዎ ደቀ መዛሙርቱ ኸይተረፈ ኣገልጋልን ግዙእን ከይኑ ይነብር ከም ዝነበረ፡ ብልሳኑ ተኣሚኑ ኣሎ። ኣብ’ቲ እግሮም ዝሓጸበሉን ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓሉን ምሸት’ውን፡ ልክዕ ከም ባርያ ጨርቂ ተዓጢቑ ተደቢሩ እግሪ ባሮቱ ብምሕጻብ ነቲ “ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ’የ” ዝበሎ ቓል ደጊሙ ብግብሪ ኣረጋገጾ (ዮሃ 13፡4-17)። ናይ’ዚ ተገዛእነት፡ ኣገልጋልነት፡ ተበጃውነት ቀዳማይን ቀንድን መሰረቱ፡ እቲ ንደቂ ኣዳም ዝነበሮ ፍቕሪ’ዩ። ምእንቲ ሰብ ህይወቱ በጃ ኽሳዕ ምሕላፍ ስለ ዘፍቀረና፡ ነቲ ኻልእ ኵሉ ፍቕሪ ዚጠልቦ ተገዛእነት’ውን ከይተጨነቐ ብቐሊሉ’ዩ ዚፍጽሞ። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ብስፍሓት ዝተገልጸ ሓቂ’ዩ (ዮሃ 3፡16፣ 15፡13፣ ሮሜ 8፡32,35,36፣ 1ዮሃ 3፡16፣ 4፡9,10,19)።
ፍቕሪ ብኸመይ’ያ ሓድሕዳዊ ምግዝዛእ እተስፍን፧ ብመሰረቱ ፍቕሪ ኣብ ምግዝዛእ ዘለዋ ግደ፡ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ኣብሪሁልና’ዩ። ኣብ ህይወት ናይ’ቲ ዝለዓለ ኣርኣያና ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ብግብርን ብቓልን ተጋሂዳ ርኢናያ ኣለና። ፍቕሪ፡ ምግዝዛእ እተስፍነሉ መገዲ፡ ውድድርን ህልኽን ብምውጋድ’ዩ። እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ኣብ ዘይብሉ፡ እቲ ዝለዓለ ባህግን ጥሙሕን ናይ ወዲ ሰብ ኣብ ከባቢኻ ካብ ዘለዉ ዅሎም ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዘይተፍቅሮም ሰባት በሊጽካ ኽትረኣይ ምድላይ’ዩ። እቲ ናይ ምብልላጽ ዛዕባ (ኣጀንዳ) ዘረባ ወይ ፍልጠት እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ርሱን ክትዕ ትጽመድ። ናይ ገንዘብ ጒዳይ እንተ ዀይኑ ዝያዳ ብጽሒት ንምርካብ ብግሁድ ስሰዐ ትመናጠል። ናይ ምሕዝነት ጒዳይ እንተ ዀይኑ ብሻራን ብሕምየትን ነቶም ዝበዝሑን ዝበለጹን ሰባት ናትካ ወገን ክትገብሮም ትጋደል። እቲ ኺጥቀስ ዚኽእል ኣብነት እምብዛ ብዙሕ’ዩ።
ኣብ ፍቕሪ እንተ’ሊኻ ግን ናይ ረብሓን መሰልን ጒዳይ ኣይዓጥጠካን’ዩ። ይትረፍ ዘይናትካ ኽትምንጥል፡ ነቲ ናትካ’ውን ትሓድገሉ ወይ’ውን ለሚንካ ትህቦ። ክትከራኸሮ ዘይኰነስ፡ ክትሰምዖ ብዝያዳ ንእኡ ኸተዛርቦ ትጋደል። ውድድርን ህልኽን ናይ ዝምድናታት ቍንቍነ ወይ ፍልሖ’ዩ። ፍቕሪ ግና ናይ’ዚ ፍልሖ-ዝምድናታት’ዚ ፍቱን መድሃኒት’ያ። ፍቕሪ ንዅሉ ኸተሐጕስ’ምበር፡ ንሓደ’ኳ ኽትዕንቅፍ ኣይትመርጽን’ያ። ስለ’ዚ እቲ ብፍቕሪ ሃብታም ዝዀነ ሰብ፡ ናይ መሰል ሕቶ ፈጺሙ ኣየጨንቖን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣዝዩ ዚንዕቆ ጕዳይ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ዘገልግሎ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ከተማታትን ዘሎ ክርስትያን ህዝቢ ፡ ነፍሱ መስዋእቲ ኽሳዕ ምግባር የፍቅሮ ነበረ (2ቈረ 12፡15፣ 1ተሰ 2፡8)። ስለ’ዚ ነቲ ክርስትያናዊ ዀነ ሰብኣዊ መሰላቱ መስዋእቲ ኺገብር ሰገጥ ዘይብል ሰብ ኰነ። እቶም ድኹማት ሰባት ምእንቲ ከይዕንቀፍዎ፡ ዋላ ንሳቶም ኣብ ዘየለውሉ’ኳ ንሓዋሩ ስጋ ኸይበልዕ፡ ከም’ዛ ዋዛ ከም ቀሊል ነገር ወሰነ (1ቈረ 8፡13)። ንርእሱ ነዚ ናይ ፍቕሪ ተገዛእነቱ ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ቓላት ኣዝዩ ዜገርም’ዩ።
1).ንርእሰይ ባርያ ኵላቶም ገበርክዋ ➞1ቈረ 9፡19
2).ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ ➞1ቈረ 9፡22
3).ኣነ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ሰብ አሐጕስ ኣለኹ ➞1ቈረ 10፡33
4).ንርእሰይ ግና ምእንቲ ኢየሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና (ንርእያ)➞2ቈረ 4፡5
5).ንሕና ዓያሱ ንስኻትኩም ለባማት፡ ንሕና ሕማቓት ንስኻትኩም ሓያላት፡ ንሕና ሕሱራት ንስኻትኩም ግና ክቡራት ➞1ቈረ 4፡10
6).ንሕና እንተ ደኸምና፡ ንስኻትኩም እንተ በርታዕኩም ኢና እንሕጐስ ➞ 2ቈረ 13፡9።
ነዚ ሃዋርያዊ ቓላት’ዚ ይትረፍ ብግብሪ ኽንነብሮ፡ ደድሕሪ’ቲ በሃሊኡ ምድጋሙ’ኳ፡ ንመብዛሕትና ዓቕልና ኸም ዜጽብበልና ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ’ዩ። እቶም ኺብልዎን ኪገብርዎን ዝኸኣሉ፡ ከማና ዝድኻሞም ሰባት’ምበር፡ ስጋ -ለበስ መላእኽቲ ኣይነበሩን። ነዚ ዓብይ ፍልልይ’ዚ ተምጽእ ዘላ፡ እዛ ፍቕሪ ዚብልዋ ሓይሊ ህይወት’ያ። እቲ ልቢ’ዩ ደኺሙ’ምበር፡ እቲ ምግዝዛእ ስለ ዝኸበደ ኣይኰነን። ነዳዲ ንመኪና ኣብ ጐደናታት ከም ዜኽይዳ፡ ንክርስትያን ኣብ ጐደና ጽድቂ እተኺዶ ድማ ፍቕሪ’ያ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ፍቕሪ ኣብ ልብና ንዚገብሮ ተኣምር፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ሓንቲ’ኳ 'ንርእሰይ ይጥዓመኒ' ብምባል ወይ ንውዳሰ ኸንቱ (ኢልኩም) ኣይትግበሩ። ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ’ምበር፡ ንርእሱ ዜሕሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩም’ውን ይሃሉኹም።”ፊል 2፡3-5።
“ደጊም ኣነ (ምእንቲ ጐይታ እተኣሰርኩ)፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣለኹ።” ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ (ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብኩምዎ ሕብረት)፡ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ ተጋደሉ።” 4፡1-3።
እምበኣር ኣብ ኣፈፌት ዘመነ ጾም ኢና ዘለና’ሞ፡ በዛ ንጾምና ትርጕምን ተቐባልነትን እተልብሶ ፍቕሪ ኸመይ ከም ዘለና ርእስና ንመርምር። ንክርስትያናዊ ጽውዓና ብቑዓት እትገብረና፡ ኣብ ሃዋርያዊ መሰረትና እተጽንዓና ፍቕሪ’ያ’ሞ፡ ነዛ ንሓድሕድና ብምግዝዛእ እትግለጽ ግብራዊት ፍቕሪ ኸም ዘጥረናያ ነረጋግጽ። ካብ በለጻውን ጐደሎን ትምዩንን ፍቕሪ ርእስና ነድሕን። ብክርስቶሳዊትን ሃዋርያዊትን ፍቕሪ፡ ርእስና ንዅሉ ሰብ ነግዝእ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
የካቲት 12, 2015 ግዕዝ (19 ለካቲት 2023 ፈ [መበል 24 ሰንበት: ቊ.፴፪/32, 2023]] |
||
ምስባክ መዝ.2:10-12 “ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት። ወተኃሠዩ ሎቱ በረዓድ። አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዓዕ እግዚአብሔር።” ወይ ከኣ መዝ.99(100)፡3-5: “ንሕነሰ ሕዝቡ ወአባግዐ መርዔቱ። ባኡ ውስተ አናቅጺሁ በተጋንዮ።ወውስተ አዕፃዲሁ በስብሐት እመንዎ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ገላ 5፡13-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 4፡1-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 15፡25-35 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 3፡10-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ