“ኣብ ማእከልኩም ዝጸበቦ፡ እንተ’ሎ፡ ይጸልይ። ሕጒስ እንተ’ሎ ድማ ይዘምር። ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተ’ሎ ንመራሕቲ ቤተ ክርስትያን ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ፡ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ’ያ። ጐይታ’ውን (ካብ ዓራቱ) ኬተንስኦ’ዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑ’ውን ኪሕደገሉ’ዩ።” ያእ 5፡13-15 ካ.ት
እዚ ዘለናዮ መዓልቲ ራብዓይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾም’ዩ። ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ “መፃጕዕ (መጻጒዕ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብቛንቋ ትግርኛ “መጻጉዕ” ማለት ናይ ምንቅስቓስ ክእለቱን ናይ ስምዒት ህዋሳቱን ዘጥፍአ ኣካላቱ ዝለመሰ ሰብ፡ ምልቡስ፡ ድኑስ ማለት’ዩ። ኣብ ዓመት ክልተ ናይ መጻጕዕ ጊዜ ኣሎና። እቲ ቐዳማይ፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ጾም ነብያት’ዩ (ሕዳር 27 => ታሕ. 3) እዚ ዘለናዮ ሰንበትን እዚ ዚስዕብ ሰሙንን ብዛዕባ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈዋስነት እነስተንትነሉ፡ ንኣምላኽ እነመስግነሉ ብዛዕባ ዜጋጥሙና ናይ ጥዕና ጸገማት ድማ እምነትና እነዕብየሉን፡ በቲ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ሕማምን ሞትን ኣጋንንትን ዘለዎ መለኮታዊ ስልጣን ትውክልትና እነዕዝዘሉ ጊዜ’ዩ። እዚ ሰንበት’ዚ “መጻጒዕ” ስለ ዝተሰምየ፡ ብዛዕባ ምጽጓዐ ጥራሕ ኢና ንሓስብ ማለት ኣይኰነን። እቲ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ ጐይታ ዝፈወሶ ሓደ መጻጕዕ ስለ ዚትርኽ፡ እቲ ዕለት’ውን ብእኡ ተሰምዩ’ምበር፡ ንዅሉ ሕማማት ስጋን ነፍስን ዚምልከት መዓልቲ’ዩ። ብዓብዩ ብዛዕባ’ቲ ብጐይታና ዝተፈጸመ ናይ ሕውየት ተኣምራት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ’ቲ ዅሎም ብስሙ ዝተላእኩ ቅዱሳን ሃዋርያትን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ብናቱ ፍቓድን ስልጣንን ዝፈጸምዎ ናይ ፈውሲ ተኣምራት’ውን ዜጠቓልል’ዩ። ምኽንያቱ ንሱ በይኑ’ዩ ገባሪኡ። እቲ ሎሚ ብምስጢረ ቀንዲል ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዚፍጸም ናይ ፈውሲ ተኣምራት’ውን ኣብኡ ዚጠቓለል’ዩ። ፈዋስነት፡ ናይ በይኑ ናይ እግዚአብሔር ባህርይ ጥራሕ’ዩ። መልኣኽ ይኹን ሰብ፡ ብዘይ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ፡ ከምኡ’ውን ብዘይ ናይ ኣምላኽ ሓይልን ስልጣንን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኪገብር ኣይክእልን’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ “መጻጕዕ” ዝተሰምየ ሰንበትን ሰሙንን ኣብ’ዚ ዘመነ ጾም’ዚ ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ርድኢት ምእንቲ ኺህልወና’ምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ሓደ መጻጕዕ ዝተፈጸመ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኣንቢብናን ሰሚዕናን ንኽንሓልፍ ጥራሕ ኣይኰነን።
ጐይታና ኣብ ዘመን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ማእለያ ዘይብሉ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ናይ ስጋ ዀነ ናይ መንፈስ ሕማማት ብሓይሊ ስልጣኑ ፈዊሱ’ዩ። ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ተጠቒሱ ዘሎ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ንምግላጽ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ጽሒፉልና ኣሎ።
“ኢየሱስ ድማ ኣብ’ዚ መጽሓፍ’ዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። ግናኸ ኢየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩም’ውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ’ዩ እዚ እተጻሕፈ፡ .......ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ፡ ኵላ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።” ዮሃ 20፡30,31፣ 21፡25
ጐይታና ኽንዲ’ዚ ዚኣክል ናይ ፍወሳ ተኣምራት ምፍጻሙ፡ ምፍዋስ ሕማማት ሓደ ኻብ ቀንዲ ተልእኾታቱ ኸም ዝነበረ ዜመልክተና’ዩ። ቅዱሳን ነብያት፡ እቲ ዚግለጽ ክርስቶስ ንሕማምና ኣብ ገዛእ ስጋኡ ብምጻርን፡ ንሕማምና ብሓይሊ ስልጣኑ ብምፍዋስን ከም ዜገልግል፡ ቅድሚ ብዙሕ ኣማኢት ዓመታት ብትንቢቶም ብልክዕነት ተዛሪቦም’ዮም። ከም’ቲ ዝበልዎ ድማ፡ ምፍዋስ ሕሙማት ናይ ክርስቶስነቱ መረጋገጺ መርትዖ ዀይኑ ኣገልገለ።
“ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከም’ቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበ፡ መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን። ምስ ረኣናዮ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን’ዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከም’ቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዜጐልብቡሉ ሰብ እተዋረደ’ዩ። ንሕና’ውን ገለ’ኳ ኣየቋጸርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዐን፡ ብእግዚአብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ፡ ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕና’ውን ብስምብራቱ ሓወና።” ኢሳ 53፡2-5 (ማቴ 8፡16,17)
“ሽዑ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ’የን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር (ኪዘልል)፡ ልሳን ናይ’ቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል’ዩ . . .” ኢሳ 35፡5,6
እዚ ትንቢታት’ዚ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብትኽክል ተፈጺሙ’ዩ። እቲ ነዚ ዝተዓዘበ ህዝቢ ኣይሁድ ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ፡ “ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብ’ዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧”
“ዮሃንስ (መጥምቕ) ሓንቲ ተኣምራት’ኳ ኣይገበረን፡ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግን ሓቂ ዀነ።”
“ንብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ሓደ’ኳ ኣዒንቱ ከም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዐን፡ እዚ (ኢየሱስ) ካብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር’ኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ።” ይብሉ ነበሩ (ዮሃ 7፡31፣10፡41፣ 9፡32,33)። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ “እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ፧ ወይስ ካልእ ክንጽበይ ኢና፧” ኢሉ ምስ ለኣኸሉ፡ ክርስቶስነቱ ንምርግጋጽ ኣብ ቅድሚኦም ብዙሕ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ድሕሪ ምግባር፦ “ኬድኩም ነዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ። ዕውራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምውታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ ኣሎ፡. . . " ብምባል ፈዋስነቱ ናይ መንነቱ መርኣያ ምዃኑ ኣመልከተ (ማቴ 11፡2-6)። እዚ ኣገልግሎቱ’ዚ ኽሳዕ ዳግማይ ምጽኣቱ ኪቕጽል ዚግብኦ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ነታ ባዕሉ ብትምህርቱን ብመስዋእቱን ዘቘማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነቲ ተልእኾን ጸጋን ናይ ፈዋስነት ብዘይ ስፍሪ ብምልኣት ሃባ። ነቶም ናይ ቤተ ክርስትያን በዅራት ዝዀኑ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ድማ ገና ኣብ ምድሪ ምስኣቶም ከሎ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ-ሕማም ስልጣን ሃቦም።
“ኢየሱስ ነዞም 12 (ሃዋርያት) ለኣኾም፡ ከም’ዚ ኢሉ’ውን ኣዘዞም። “. . . ኬድኩም ድማ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ” ኢልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምውታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ፡ . . . " ማቴ 10፡5-8።
“በሎም ድማ “ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ”። ......ነቶም ዚኣምኑ’ውን እዚ ተኣምራት’ዚ ኺስዕቦም’ዩ፡ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ (ቋንቋ) ከኣ ኪዛረቡ፡ . . . ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ፡ ንሳቶም’ውን ኪሓውዩ እዮም።” ማር 16፡15-18።
ንቕዱሳን ሃዋርያት ጥራሕ ዝተዋህበ ጸጋ ከይመስለና ኸኣ፡ ዋላ ነቶም 70 ኣርድእቱ’ውን፡ ነዚ ናይ ፈዋስነት ጸጋ ዓዲልዎም’ዩ (ሉቃ 10፡9)። ቅዱሳን ዲያቆናት እስቲፋኖስን ፊሊጶስን’ውን ብብዝሑ ዀነ ብዓይነቱ መስተንክር ዝዀነ ተኣምራት ይፍጽሙ ነበሩ (ግብ 6፡8፣ 8፡6,7,13)። እዚ ፈዋስነት’ዚ ክሳዕ ምጽኣት ዓለም ዚቕጽል ጸጋ’ምበር፡ ናይ ክርስትና መላለዪ ኪኸውን ዝተዋህበ ጊዝያዊ ጸጋ ኣይኰነን። ክርስቶስ ርእሲ-መኣዝኑ ኣብ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃንጸት ቤተ ክርስትያን፡ ብዘይ ናይ ፈውሲ ጸጋ ኸተገልግል ኣይግባእን’ዩ። ጐይታናን ሃዋርያቱን እንተ ፈጺሞምዎ፡ እታ ብስሙ እተሰምየት ቤተ ክርስትያን’ውን ክትፍጽሞ ግቡኣ’ዩ። እቶም ጥንታውያን ኣቦታት ቤተ ክርስትያን ነዚ “መጻጕዕ” ዝተሰምየ ሰናብትን ሰሙናትን ዝሰርዑልና፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓቂ ብምልኣት ንኽንግንዘቦ’ዩ። ኣገዳስነቱ ጽቡቕ ገይራ ስለ ዝፈለጠቶ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ምስጢረ ቀንዲል” ሓደ ካብ’ቶም ሾብዓተ መሰረታውያን ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ኪኸውን ሰርዓትልና።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናኸ፡ ኣገልገልታ ዀነ ህዝባ፡ ብዛዕባ’ዚ ናይ ፈዋስነት ጸጋ’ዚ ኣብ ምንታይ ኵነታት ትርከብ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ገና ኸይተሓትተ ኸሎ ዝተመለሰ’ዩ። ናይ ፍወሳ ኣገልግሎት ብዚምልከት ኣብ ዜሰክፍን ዜሕፍርን ኵነታት ከም ዘለና፡ ኣሉ ኺበሃል ዘይክእል ሓቂ’ዩ። ነዚ ጸጋ’ዚ ብዚምልከት “ጐይታና ኸም ቤተ ክርስትያንን ከም ክርስትያን ህዝብን ምፈለጠናዶ፧” ዚብል ናይ ስክፍታ ሕቶ’ውን ዜለዓዕል’ዩ። ካብ’ተን መለለዪ ናይ’ዛ ቤተ ክርስትያን ዝዀና ሾብዓተ ምስጢራት፡ ነታ “ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት” ዝተልእኾኣ ምስጢረ ቀንዲል፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ናይ ሓበሻ ተዋህዶና ዘይትፍጸም ዘላ ምስጢር እያ። ትምህርተ-መለኮት ኣብ ዝቐሰሙ ውሑዳት ውሉደ ክህነት’ምበር፡ ኣብ’ቲ ዚበዝሕ ኣባል ውሉደ ክህነት ቤተ ክርስትያንና ከምኡ ዝበለ ምስጢር ከም ዘለዋ’ውን ኣይፍለጥን’ዩ። ኣብ ምእመናኑ ንዘጋጠመ ናይ ጥዕና ጸገማት ከኣ፡ ናይ ጸብሪ ጸበልን ማይ ድጋምን ብምዕዳል እንተ ዘይኰይኑ፡ በቲ ቃለ እግዚአብሔርን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ዝሰርዕዎን ዝኣዘዝዎን ምስጢረ ቀንዲል ኣይጋደሎን’ዩ። ነቲ ጸበልን ማይ ድጋምን’ውን ብስም’ቲ ምስጢረ ቀንዲል ዝሰርዐን ስልጣን መንፈስ ቅዱስ ዝዓደለን እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብስም ካልኦት’ዩ ዚገብሮ። በዝን ዝኸምዝን ድማ ካብ’ቲ ሃዋርያዊ መሰረተ እምነትና እናተፈንተትናን ኣዚና እናረሓቕናን ንኸይድ ኣለና። እቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና “መጻጕዕ” ኢላ ዝሰርዓቶ ሰናብትን ሰሙናትን ኣብ’ቲ ሃዋርያዊ መሰረትና ኽንጸንዕ ዜኽእለና ትምህርቲ እንቐስመሉ፡ እምነትና’ውን እነዕብየሉ ኪኸውን’ዩ ዝተሰርዐ። እንተ ዀነ ይትረፍ ምእመናን ውሉደ ክህነት’ውን ካብ’ዚ ፍልጠትን ጸጋን’ዚ ርሒቕና ንርከብ ኣለና። ናይ’ዚ መሪሕ ጥቕስን ኣርእስትን ዕላማ ድማ፡ ናብ’ዚ ሃዋርያዊ ሓዲድ’ዚ ኺመልሰና ዝተሰርዐ’ዩ።
ኣብ ትግባረ ምስጢረ ቀንዲል፡ ግደ ማሕበረ ምእመናን እንታይ’ዩ፧ ግዴና ኸይንፍጽም ዚዕንቅፈና ዘሎኸ እንታይ’ዩ፧ ቅድም ብዛዕባ’ቶም ፈጸምቲ ምስጢራት ዝዀኑ ውሉደ ክህነት ምዝራብ ገዲፍና፡ ብማሕበረ-ምእመናን ክንጅምር ዚድርኸና ዘሎ፡ እቲ ሃዋርያዊ መሪሕ ጥቕስና’ዩ። ንመስርሕ ትግባረ ምስጢረ ቀንዲል ዜበግሶ፡ እቲ ዝሓመመ ምእመን’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ሃዋርያዊ መምርሒ፡ ዝሓመመ ሰብ እንተ’ልዩ ንመራሕቲ ወይ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጸዊዑ፡ ናይ ፈውሲ ኣገልግሎት ኪግበረሉ ኺሓትት ተመኺሩ ዘይኰነስ ተኣዚዙ ኣሎ። ጐይታና’ውን እቶም ሕሙማት ነቲ ሓኪም ከም ዚደልይዎ፡ ከም ዚጽውዕዎ ወይ ባዕሎም ከም ዚኸድዎ’ዩ ነጊሩና (ማቴ 9፡9-12፣ ማር 2፡13-17፣ ሉቃ 5፡27-32)። ብግብሪ’ውን እቶም ሕሙማት’ዮም ናብ’ቲ ፈዋሲ ጐይታ ዚኸዱን ዚልእኩን ዝነበሩ። ስለ’ዚ ኣባናን ኣብ ዘመንናን በጺሑ ኪልወጥ ስለ ዘይክእል፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ዀነ ኣብ ኣባላት ስድራና ሕማም ምስ ዚኽሰት፡ ነቶም ንክርስቶስ ወኪሎም ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት (ምስጢረ ቀንዲል) ኪፍጽሙ ግዴታን ስልጣንን ዝተዋህቦም ካህናት ኪጽውዕ ዚግብኦ እቲ ሕሙምን ስድራ ቤቱን’ዮም። እዚ ምስ ዘይግበር፦
1. እቲ ሕሙም ንትእዛዝ ሃዋርያትን ቤተ ክርስትያንን ኪእዘዝ ከም ዘይፈተወን ከም ዝነዓቐን የመልክት።
2. በቲ ናይ እግዚአብሔር ሓይሊ ፈዋስነት ከም ዘይኣምን ከም ዝኸሓደ የፍልጥ ኣሎ ማለት’ዩ።
ብግብሪ ንዕዘቦን ንምከሮን ከም ዘለና፡ ናይ ዘመንና ሰብ፡ ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ዓይነት ሕማም ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ነቲ ሕውየት ካብ ሓኻይምን ካብ ሆስፒታላትን’ምበር፡ ካብ እግዚአብሔር ኣይደልዮን’ዩ። ናብ ሕክምና ምኻድ ሕማቕን ዘየድልይን’ዩ ንምባል ኣይኰነን። ቅድሚ እግዚአብሔር ሰብ ኪስራዕ ግን መንፈሳዊ ገበን’ዩ። መልእኽቱ ድማ “ካብ ኣምላኽሲ ሰብ ይሕሸኒ፡ ንኣይ ካብ ኣምላኽሲ ሰብ ይበልጽ፡ ይሕይል፡ ይኽእል” ዚብል’ዩ።
“ክርስትያን’የ፡ ኣብ እምነት ኣለኹ” ዚብል ሰብ፡ ብግብሪ እዚ ዝመልእኽቱ ናብራ እናነበረ፡ “ኣብ እምነት ኣለኹ” ኪብል ካልኣይ በደል’ዩ ዝዀኖ። ምኽንያቱ ግብዝነት’ዩ ዜንጸባርቕ ዘሎ። ኣሳ ዝስሙ ንጉስ ይሁዳ ንእግዚአብሔር ዚፈርህን ዜኽብርን ሰብ ነበረ። ልቡ ኻብ እግዚአብሔር ምስ ዘምበለ ግን ብዛዕባ ዝገጠሞ ውግእ ኰነ ብዛዕባ ጥዕናኡ ኣብ ሰባት ኪውከል መረጸ። ኣብ ኣእጋሩ ኸቢድ ሕማም ድሕሪ ምሕማሙ ድማ፡ እቲ ቕዱስ መጽሓፍ ብዛዕባኡ፦ “ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል 39 ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሓመመ። እቲ ሕማሙ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ። ብዛዕባ ሕማሙ ግና ንሓኪማት’ምበር፡ ንእግዚአብሔር ኣይደለዮን።” ኢሉ ብኣሉታ መስከረሉ (2ዜና 16፡12,13)። ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት መሪር ስቓይ ድማ ኣብ መበል 41 ዓመት መንግስቱ ሞተ። ድሕሪ ብዙሕ ወለዶታት ድማ ንጉስ ህዝቅያስ ዝተባህለ ዘርኡ ነገሰ። ንሱ ኣዝዩ ምስ ሓመመ ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጒምቲ ድማ፦
“በቲ ጊዜ’ቲ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ’ሞ፡ ንእግዚአብሔር ለመነ።” ተባሂሉ ተመስከረሉ (2ዜና 32፡24)። እግዚአብሔር ከኣ ልማኖኡን ልማኖ ነብዪ ኢሳይያስን ሰሚዑ ምሉእ ፈውሲ ሂቡ፡ ኣብ ዕድሚኡ ናይ 15 ዓመታት ዕድመ ወሰኸሉ (2ነገ 20፡1-11፣ ኢሳ 38፡1-8)። ህይወትን ሞትን፡ ጥዕናን ሕማምን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ኣምላኽ’ምበር፡ ኣብ ኢድ ሰብ ኣይኰነን። እግዚአብሔር “ይኹን” ኢሉ እንተ ዘይፈቒዱ፡ ዝዀነ ይኹን ብዓል ሞያ ናይ ሓንቲ ኻልኢት ዕድመ ኪውስኽ ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ወሃብን ከላእን ኣምላኽ ዝባንካ ሂብካ፡ ናብ’ቲ እግዚአብሔር ካብ ጥበቡ ዝዓደሎ ብዓል ሞያ ጥራሕ ምጕያይ፡ ክሕደታዊ ምርጫ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። እግዚአብሔር ነቲ ዝለመንካዮ ሕውየት በቲ ካህን ድዩ ኺህበካ በቲ ሓኪም፡ ናቱ ልኡላዊ ፍቓድ’ዩ ዚውስኖ። ትሕትናን እምነትን ብዝመልኦ ጸሎት ንኣምላኽ ከይተማሕጸንካ፡ ልክዕ ኣብ ድኳን ከም ዚዕደግ ኣቕሓ ብገንዘብካ ኻብ ሰብ ክትዕድጎ ምጕያይ ግን፡ ንኸኣልነቱ ምንዓቕ ንልኡላውነቱ ድማ ምድፋር’ዩ ዚኸውን። ብዓብዩ ድማ እምነትካን ሃይማኖትካን ዚጠልበካ ኸይፈጸምካ፡ ካልእ ኣማራጺታት ሃሰው ምባል፡ ናይ ከንፈር’ምበር ናይ ልቢ ሰዓቢ ዘይምዃንካ ዜቃልዕ’ዩ።
ብዛዕባ ኸኣልነት ናይ እግዚአብሔር ዝዀነ ዜጠራጥር ነገር የልቦን። ተኣምራታዊ ሕውየት ግን ኣብ ከኣልነት ናይ ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ እምነት ናይ’ቲ ደላይ ፈውሲ ውልቀ ሰብን ስድራ ቤትን’ውን ከም ዚምርኰስ ኪዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። ቅዱስ ያእቆብ፡ “ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን” ከም ዝበለ፡ እግዚአብሔር ኣብ ቤተ ክርስትያንናን ኣገልገልትናን ናይ ፈውሲ ጸጋ ኼዕዝዝ እንተ ዘይለሚንና፡ እቲ ጸገም ናትና’ምበር፡ ናይ’ቲ ወሃቢ ኣምላኽ ኣይኰነን። ጐይታና እንተ ዀነ፦ “ለምኑ ኺወሃበኩም’ዩ፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ኺረሓወልኩም’ዩ። (ምኽንያቱ) ዝለመነ ዅሉ ይቕበል፡ ዝደለየ ይረክብ፡ ማዕጾ ንዝዃሕኵሐ ድማ ይረሓወሉ’ዩ።” ኢሉና’ዩ (ማቴ 7፡7,8 ካ.ት)። ንዅሎም’ቶም ዝፈወሶም ድማ “እምነትካ ኣሕወየትካ፡ እምነትኪ ኣድሓነትኪ” እናበለ ይምስክረሎም ነበረ (ማር 10፡52 ፣ ሉቃ 17፡19)። ብዛዕባ’ቶም ዘይኣመኑ ድማ፦ “ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይካ ንሒደት ሕሙማት ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም’ምበር፡ ሓይሊ (ተኣምራት) ኪገብር ኣይኰነሉን። በቲ ዘይምእማኖም ድማ ገረሞ። ....ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።”
ተባሂሉ ዜሕዝን ምስክርነት ተዋህበ (ማር 6፡1-6፣ ማቴ 13፡57,58)። ስለ’ዚ እቲ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ ዝተዋህበ መንፈሳዊ ጸጋታት ኣባናን ኣብ ቤተ ክርስትያንናን እንተ ዘየልዩ፡ ዘይምእማንና ዝወለዶ ወጽዓ’ምበር፡ ኣምላኽ ስለ ዝሓሰመ ወይ ስለ ዝደኸመ ዝተኸስተ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ብዛዕባ ሕማማትና ዀነ ብዛዕባ ኻልእ ኵሉ ጸገማትና ብምሉእ እምነት ብምቛምን ብምልማንን ነቲ ዘጥፋእናዮ ጸጋ ኽንመልሶ ይግብኣና።
ግደ ናይ’ቶም ብሕሙማት ዚጽውዑ ኣገልገልትን መራሕትን ቤተ ክርስትያንከ እንታይ’ዩ፧ እቲ ቐዳማይ ሓላፍነት ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣገልግሎቶም ዘሎ ምእመን፡ ቃል ወንጌልን ምስጢረ ቀንዲልን ብዕምቈት ብምስትምሃር ፍልጠቱ ኺሰፍሕ እምነቱ ኺዓብይ ምግባር’ዩ። እቲ ኻልኣይ ሓላፍነት ድማ ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት ካብ ስብከተ ወንጌል ኰነ ካብ ካልኦት ምስጢራት ብዘይንእስ መገዲ ኣብ መጓሰኦም ኪተግሁሉ ይግባእ። ጐይታናን ሃዋርያቱን ንስብከትን ንፍወሳን ማዕረ ማዕረ የኺድዎ እንተ ነይሮም፡ ኣብ ሎሚ በጺሑ ዝተፈልየ ዚዀነሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ፡ እግዚአብሔር ፈጺሙ ኣይተለወጠን። በዚ ኣገልግሎት’ዚ ናይ ድኻም ለውጢ ተራእዩ እንተ’ልዩ፡ ካባና ኻብ ኣገልገልቲ ጥራሕ’ዩ ኪኸውን ዚኽእል። ኣምባሳደራት ክርስቶስ ኴንና ኣብ መንበር ሃዋርያት ተቐሚጥና እንተ’ሊና፡ እቲ ንሃዋርያት ኣብ ልዕሊ ሕማምን ኣጋንንትን ዝነበሮም ስልጣን’ውን ኪህልወና ይግባእ። ባዕላትና ኸነምጽኦ ኸም ዘይንኽእል ርዱእ’ዩ። ከም’ቲ ናይ ሃዋርያት ዝበለ ዕላማን ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ኣሰራርሓን እንተ’ልዩና ግን፡ ከም’ቲ ንሃዋርያት ከይለመንዎ ብኸምኡ ብሕያውነቱ ኣዕዚዙ ብዘይ ስፍሪ ዝሃቦም፡ ንኣና’ውን ኣብ ጸሎት ከየብጽሐ ኺዕድለና’ዩ። ግን ከኣ፡ ዋላ ተዋሂቡና ኸሎ’ውን፡ እዚ ጸጋ’ዚ መመሊሱ ኺዓዝዝ’ምበር ከይጐድል፡ ልክዕ ከም ሃዋርያት፦ “. . . ሕጂ ድማ ጐይታይ ናብ ምፍርራሆም ርአ፡ ብስም’ቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም።” ኢልና ኽንጽልይ’ዩ ዚግባእ (ግብ 4፡29,30)። ንሳቶም ከምኡ ኢሎም ስለ ዝለመንዎ፡ “ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተገብረ።” ኽሳዕ ዚበሃለሎም እቲ ናይ ፈውሲ ጸጋ እምብዛ ዓዘዘ (ግብ 5፡12፣ 2፡43፣ 6፡8፣ 8፡6,7፣ 14፡3፣ 2ቈረ 12፡12፣ 1ተሰ 1፡5፣ እብ 2፡3,4)። ስለ’ዚ ኣገዳስነት ናይ’ዚ ናይ ፈውሲ ጸጋ ባዕላትና ኣዚና ኽንኣምነሉ፡ ንህዝብና ኸነእምነሉ፡ ሓቢርና ድማ “ነቲ ኣብ ቅዱሳት ሃዋርያት ዘዕዘዝካዮ ጸጋ፡ ኣባናን ኣብ ቤተ ክርስትያንናን’ውን ግለጾ” ኢልና ብልዑል እምነት፡ ብጾምን ብጸሎትን ብኣጽንዖት ክንምሕጸኖ ይግብኣና። እዚ ጸጋ’ዚ ኣባና ንኸይግለጽ ዚዕንቅፈና ዅሉ ሓጢኣትን መንፈሳዊ ድኻምን ከነርሕቖ ይግባእ። እግዚአብሔር ምስናይ ዜሰክፍ ሓጢኣትና ኸለና፡ ናይ ፈውሲ ጸጋ ብምሃብ ንሓጢኣትና ኼጽንዓልናን ኬጽድቐልናን ክንጽበይ ግቡእ ኣይኰነን። ስለ’ዚ እቲ ንእግዚአብሔር ዜኽብርን ንህዝቢ ድማ ድሙቕ ኣርኣያ ዚኸውንን ክህነታዊ ረቛሒታት ዘማልአ ኣገልግሎት ምስ እነገልግል፡ እዚ ናይ ፈውሲ ጸጋ ናይ ግድን ኪገሃድ’ዩ። ንርእስና ዀነ ንህዝብና ኻብ ማእሰር ሕማማትን ሞትን ከነናግፎ፡ ከነወንዝፎን ከነመኻንየሉን ዘይግባእ ሃዋርያዊ ተልእኾናን ሓላፍነትናን ስለ ዝዀነ፡ ማዕረ’ቲ ዅሉ ኻልእ ምስጢራት ክንውፈየሉን ክንዕጠቐሉን ይግባእ።
ዕላማ ናይ’ዚ ክልተ ጊዜ ኣብ ዓመት ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ “መጻጕዕ” ቅንያት፡ እዚ ብሰፊሕ ዝተገልጸ ሓሳብ’ዩ። ስለ’ዚ ውሉደ ክህነትን ማሕበረ ምእመናንን ሓቢርና፡ ናብ’ቲ ብቕድስት ስላሴ ዝተመደበልና ሃዋርያዊ ጸጋን በረኸትን ንዕበይ። ነቲ ዘይምእማንና ብምእማን፡ ነቲ ሸለልትነትና ብዕቱብነት ንተክኣዮ። ተሓጋጊዝናን ተመላሊእናን ድማ፡ ኣብ’ዛ ብኽሕደትን ብዓመጻን ተመሊኣ ዘላ እክይቲ ዓለም፡ ክብርን ጸጋን ናይ እግዚአብሔር ኪዓዝዝን ኪገንንን ንግበር። ነፍስ ወከፍ ዝተኸስተ ሕማም፡ ናይ ስቓይን ሓዘንን ሓድጊ ዘይኰነስ፡ ናይ ክብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን ታሪኽ ገዲፉልና ኪኸይድ፡ ኣብ ሃዋርያዊ መሰረትና ኣደልዲልና ንቑም!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
መጋቢት 3, 2015 ግዕዝ (12 መጋቢት 2023 ፈ [መበል 27 ሰንበት: ቊ.፴፭/35, 2023]] |
||
ምስባክ መዝ.6(6):2-3 “ተሣሃለኒ እግዚኦ እስመ ድውይ አነ። ወፈውሰኒ እስመ ተሀውካ አዕፅምትየ። ነፍስየኒ ተሀውከት ፈድፋደ።” ወይ ከኣ መዝ 40(41)፡3,4
“እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ። ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቤሁ እምደዌሁ። አንስ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ።” |
ንባብ |
ኣንባቢ |
እብ 12፡11-17 |
ዲያቆን |
|
ያእ 5፡14-ፍጻ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 3፡1-12 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 5፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ