“ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ፡ ካብ ምንዝርና’ውን ክትርሕቁ’ዩ። ነፍሲ ወከፍኩም ምስ ብዓልቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ብኽብርን ምንባር (ምሕላይ) ይፍለጥ። ከም’ቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድማ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ።....ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር’ዩ ጸዊዑና።” 1ተሰ 4፡3-5።
እንሆ፡ ብረድኤት ኣምላኽ ናብ ካልኣይ ሰንበትን ሰሙንን ናይ’ዚ ዓብይ ጾም በጺሕና ኣለና። እዚ ዘለናዮ ኻልኣይ ሰንበት፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ቅድስት” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ኣርእስቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር-ሰንበት “ግነዩ ለእግዚኣብሄር” (ንእግዚአብሔር ኣመስግንዎ) ዚብል’ዩ። መዝ 105፡1,2 መሰረት ዝገበረ ኸኣ’ዩ። ካብ ዝተፈላለየ ኽፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ ትሕዝቶ ዘለዎ መዝሙር’ዩ። ጽድቂ ኽንገብር፡ ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ ኣብ ሰማያት መዝገብና (ሃብትና) ኸነቐምጥ፡ ድልዋት ኴንና ኽንነብር፡ ነቲ ክርስቶስ ተቐሚጥዎ ዘሎ ነቲ ናይ ላዕሊ ጥራይ ክንደልይን ክንሓስብን፡ ነታ ምእንቲ ሰብ ዝተፈጥረት ቅድስቲ ሰንበት ከነኽብራ ዜተሓሳስብ ናብ ቅድስና ዘድሃበ መልእኽቲ ዝሓዘ’ዩ። እቲ ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ገይሩ ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ድማ ናይ ቅድስና መልእኽቲ ዝሓዘለ’ዩ።
እዛ ሰንበትን ሰሙንን’ዚኣ “ቅድስት” ዝተባህለትሉ ምኽንያት ክልተ’ዩ። ቀዳማይ ምኽንያት፡ እዛ ኣቲናያ ዘለና ጾመ-ኢየሱስ “ቅድስቲ” ጾም ስለ ዝዀነት፡ ንሕና’ውን ብደረጃ ቤተ ክርስትያን ኰነ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እንጾማ ዘለና ጾም፡ ቅድስቲ ጾም ክትከውን ከም ዚግብኣ ንኼመልክተና’ዩ። ነብዪ ዮኤል ንጾም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቓል፦ “ጾም ቀድሱ፡ ኣኼባ ጸውዑ፡ ንዓበይትን ኣብ’ታ ሃገር ንዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ኣክቡ፡ ናብ እግዚአብሔር ከኣ ተማህለሉ።” ኢሉ ኣሎ (ዮኤ 1፡14 ፣ 2፡15-17)። ካልኣይ መልእኽቱ “ጾም ኣውጁ” ማለት’ኳ እንተ ዀነ፡ እቲ እንጾሞ ጾም ቅዱስ ኪኸውን ግን ቀዳማይ መልእኽቱ’ዩ። ዘይተቐደሰ ጾም፡ በቲ ቕዱስ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣይረክብን’ዩ። ሰብ ነነዌ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ተንጠልጢሉ ዝነበረ መዓት ኬዝብልዎ ዝኸኣሉ፡ ንኣምላኽ ዜዕግብ ቅዱስ ጾም ስለ ዝጾሙ’ዩ (ዮና 3፡5-10)። ብኣንጻሩ እስራኤላውያን ብሓጢኣት ዝተመልአ ርኹስ ጾም ስለ ዝጾሙ እግዚአብሔር ንጾሞም ምቕባል ኣበዮም (ኢሳ 58፡1-7፣ ዘካ 7፡1-4፣ 8፡14-19)። ስለ’ዚ ነዚ ናይ ጐይታና ዓብዪ ጾም፡ በቲ ንሱ ዝጾመሉ ቅዱስ ኣገባብ ክንጾሞ ይግብኣና።
እዛ ሰንበት’ዚኣ “ቅድስት” ዝተባህለትሉ ኻልኣይ ምኽንያት ድማ ሰንበት፡ እግዚአብሔር ባዕሉ ዝቐደሳን ዘኽበራን ዕለት ስለ ዝዀነት’ያ (ዘፍ 2፡3 ፣ ዘጻ 20፡11)። ስለ’ዚ ኻብ ኵሉ መዓልታት ዝኸበረት’ያ። ንሕና’ውን ከነኽብራን በካይዳና ኽንቅድሳን ኣዚዙና’ዩ (ዘጻ 20፡8 ፣ ዘዳ 5፡12)። ብመሰረቱ ኸኣ፡ ሰንበት ምእንታና ምእንቲ ሰባት ከም ዝተፈጥረትን፡ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ንእግዚአብሔር ዜኽብርን ንሰብ ዚጠቅምን ጽቡቕ ግብሪ ኽንገብር ከም ዚግብኣና፡ እቲ ኻብ ሰንበት ዚዓብይን “ጐይታ ሰንበት” ዝዀነን ጐይታ ገሊጹልና’ዩ (ማቴ 12፡8,12፣ ማር 2፡27)። እዛ ኣብ ምድሪ እነኽብራ ሰንበት፡ ናይ’ቲ ኣብ ሰማያት ተዳልዩልና ዘሎ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ-ሰንበት ትእምርቲ (ምልክት)’ያ። ናብ’ዚ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ-ሰንበት ዚኣትው እቲ ብክርስቶስ ዝኣመነን፡ ብዅሉ ኣካይዳኡ ንእኡ ዝመሰለን ሰብ ጥራሕ’ዩ። ቅድሚ ናብ’ታ ሰማያዊት ሰንበት ምእታዉ ግን፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ ዘለዋኦ ዕድመ፡ ናብራ-ሰንበት ኪነብር ይግብኦ። ኣብ’ታ ሰሙናዊት ሰንበት ንስጋና ኻብ ዜህልኽ ንጥፈታት ከም ንዓርፍ፡ እቲ ናብራ ሰንበት ዚነብር ሰብ ድማ፡ ንነፍሲ ኻብ ዜድክም ግብሪ ሓጢኣት ኬዕርፍ ይግባእ። ነቲ ንዓመታት ዕድሚኡ ብኸም’ዚ ዝዓይነቱ ናበራ ሰንበት ዘኽበረ ሰብ፡ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ሰንበት ኣብ ሰማያት ተዳልዩሉ ኣሎ። ነዚ ምስጢር ሰንበት’ዚ ኣብ መዓልቱ ኣስፊሕና ኽሳዕ ‘ንመሃሮ፡ ነቲ ኣብ እብ 4፡1-11 ዘሎ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብምንባብ ጽቡቕ መረዳእታ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እዛ ሰንበት’ዚኣ ንምንታይ “ቅድስት” ከም ዝተባህለት ንምፍላጥ ግን እዚ ዝተገልጸ ሓሳብ እኹል’ዩ።
እቲ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ዚንበብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን መልእኽታት፡ ናብ “ቅድስና” ዘተኰረ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎ’ዩ፡ ኣብ’ዛ “ቅድስት” ዝተሰምየት ሰንበት ኪንበብ ተሰሪዑልና ዘሎ። ቅድስና ኣዝዩ መሰረታውን ኣገዳስን ዚዀነሉ ቀንዲ ጕዳይ ድማ ናይ መውስቦን ሓዳርን ጕዳይ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ተዋሂቡና ዘሎ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ድማ፡ ኣብ ቕድስና ሰብ ኪዳን ዘተኰረ’ዩ። እዚ ማለት ግን፡ “ቅድስናስ ንሰብ ኪዳን ጥራሕ’ዩ ዚምልከቶም” ንምባል ኣይኰነን። ቅድስና ዘይምልከቶ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሓደ ሰብ’ኳ የልቦን። ኣብ ውሽጢ ሒደት ናይ ስብከት ጊዜን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጽሑፍን ንሓደ ኣርእስቲ ብምልኣት ክትድህስሶን ክትሽፍኖን ስለ ዘይከኣል ግን፡ ኣብ’ዚ መዓልቲ’ዚ ኣብ ቅድስና ሰብ-ኪዳን ኣተኵርና ኽንመሃር ኢና።
ቅድስና ኣብ መውስቦን ሓዳርን ኣዝዩ ልዑል ኣገዳስነት ዚወሃቦ ንምንታይ’ዩ፧ ብመሰረት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና መሰረተ እምነት (ዶክትሪን)፧ ምስጢረ ተክሊል በዅሪ ኵሉ ምስጢራት ቤተ ክርስትያን’ያ። ሓጢኣት ከይተጀመረ ኸሎ፡ ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ከይተሰጒጉ ኸለው፡ ኢድ ሰብ ከይተሓወሳ፡ ብኢድ እግዚአብሔር ዝተሰርዐትን ዝተፈጸመትን በዅሪ ምስጢር’ያ። ካልእ ኵሉ ምስጢራት፡ ሓጢኣት ድሕሪ ምትእትታዉ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ ካብ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ንኼድሕነና ዝተሰርዐ ምስጢራት’ዩ። ኵሉ’ቲ ብእግዚአብሔር ዝተዋህበና ጾታዊ ቅርጽን ቍመናን ድማ፡ ነዛ ምስጢር መውስቦ’ዚኣ ንምፍጻም ዝተሰርዐ’ዩ። ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ጥራሕ ምፍጣሩ ንርእሱ፡ ብዛዕባ ቅድስና መውስቦ ንጹር መልእኽቲ ዜመሓላልፍ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ እግዚአብሔር ምስጢረ ተክሊል ዝሰርዓሉ ምኽንያት ቅድስና ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ።
“ግናኸ ካብ ምንዝርና ምእንቲ ኺርሕቁ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበይቲ ትሃልዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ’ውን ናይ ገዛእ ርእሳ ሰብኣይ ይሃልዋ።” ዚብል ቃል፡ ኣገዳስነት ቅድስና ዜመልክተና’ዩ (1ቈረ 7፡2 ካ.ት)። ምኽንያቱ ንጾታዊ ጒዳያት ብዚምልከት፡ ቅድስና ማለት ካብ ምንዝርናን ዝሙትን ምርሓቕ ማለት’ዩ። “ዝሙት” ዚበሃል፡ ብዓል ኪዳን ዝዀነ ሰብ ካብ ኪዳኑ ወጻኢ ምስ ካልእ ዘይመዋስብቱ ሰብ ዚፍጽሞ ጾታዊ ሓጢኣት’ዩ። “ምንዝርና” ዚበሃል ከኣ ዘይምርዑው ሰብ ምስ ዘይመዋስብቱ ሰብ ዚፍጽሞ ጾታዊ ሓጢኣት’ዩ። ስለ’ዚ ንዝሙትን ምንዝርናን ኣርሒቑ ቅድስና ኼንግስ ዝተሰርዐ ተክሊል እናሃለወካ፡ ካብ መውስቦ ወጻኢ ጾታዊ ጸወታ ምፍጻም ብዓብዩ ነቲ ቕዱስ እግዚአብሔር፡ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ንመዋስብትኻ ከቢድ በደል ምብዳል’ዩ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዝኣተኻዮ ቓል ናይ ምፍራስ ጥልመታዊ ተግባር’ዩ። እግዚአብሔር ቃል ብቓሉ፦
“ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዅሉ ሓጢኣት ካብ ሰብነቱ ወጻኢ’ዩ ዚገብሮ ዚምንዝር (ሰብ) ግና ኣብ ገዛእ ሰብነቱ’ዩ ዚሓጥእ።” ኢሉ’ዩ ዚእዝዘና (1ቈረ 6፡18፣ ምሳ 5፡3-8,12-14፣ 7፡25-27)። ስለ’ዚ ብዝሙት ክንሓጥእ ከለና፡ ብገዛእ ፍትወትና ኣብ ገዛእ ሰብነትና ኸቢድ ዕንወት ንፍጽም ከም ዘለና ተነጊሩና ኣሎ። እዚ ኣበሳ’ዚ ግን ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራሕ ተደሪቱ ኣይተርፍን’ዩ።
1ይ. እቲ መዋስብትና’ውን ብንጹሁ ግዳይ ርኽሰትና’ዩ ዚኸውን። እቲ ብምስጢረ ተክሊል ናብ ቅዱስ መውስቦ ዝኣተወ መጻምድቲ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ናብ ርኹስ ጽምዶ ስለ ዝኣተወ፡ ነቲ ኺዳኑ ናብ ናይ ምንዝርና ኪዳን ለዊጥዎ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ቐዳማይ ኪዳኑ ብግብሪ ኣፍሪስዎ’ዩ። ይፍለጥ ኣይፍለጥ፡ እቲ ሕጋዊ መጻምድቲ ተጠሊሙ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቃል ኪዳን ብፍትሕ ኪፈርሰሉ ዚኽእል እንኮ ምኽንያት፡ ዝሙት ወይ ምንዝርና ዝዀነ።
“ኣነ ግን፡ “እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእ’ውን ዜእትው ይዝምው። እቲ ፍትሕቲ ዜእትው (ዚምርዓው)’ውን ይዝምው፡” እብለኩም ኣለኹ።” ማቴ 19፡9
ስለ’ዚ ኣብ ዝሙት ንዘይተረኽበ መጻምድትኻ ብዝዀነ ኻልእ ምኽንያት ምፍታሕ፡ ንርእሱ ናይ ዝሙት ተግባር’ዩ። ምኽንያቱ፡ ድሕሪ’ታ ዘይሕጋዊት ፍትሕ ምስ ካልእ ምውሳብካ ዘይተርፍ’ዩ። እቲ ምሳኻ ምስ ፍቱሕ ሰብ ዚምርዖ ኻልእ ሰብ’ውን፡ ዋላ ቅድሚ ሕጂ ዘይተመርዓወ ድንግል ይጽናሕ፡ ዘማዊ’ዩ። እቲ ብግፍዒ ዝተፈትሐ ቀዳማይ መጻምዲ’ውን፡ ካልእ ሰብ ኪምርዖ ምስ ዜእትው፡ ንሱ’ውን ብዘይ ፍታዉ ዘማዊ ኪኸውን ይግደድ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ጐይታ
“ኣነ ግና፡ “እቲ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ “ዘማዊት ገበራ”፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትው (ዚምርዖ) ድማ፡ “ዘመወ፡” እብለኩም ኣለኹ።” ኢሉ ብወግዒ ኣፍለጠና (ማቴ 5፡32)። ስለ’ዚ እቲ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት፡ ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ምኽንያት ፈጢሩ መጻምድቱ ኺፈትሕ ዘንቀደ ሰብ፡ ብዛዕባ ገዛእ ቅድስናኡን ብዛዕባ ቕድስና ናይ’ቲ ንቕድስት ስላሴ ምስክሩ ገይሩ ዝተዋሰቦ መጻምድቱን ዘይሓስብ፡ በዚ ርኹስ ምርጫኡ ድማ ንሰይጣን ኬገልግሎ ንኣምላኽ ድማ ኪዋግኦ ዝተዓጥቀ ዓሻ ሰብ’ዩ። ገና ምስ ኪዳኑ ኸሎ ዚዝምው ሰብን፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንመጻምድቱ ዚፈትሕን ሰብን’ምበኣር፡ ነቲ መጻምድቱ ኣዝዩ ኸቢድን ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ በደልን’ዩ ዚብድሎ።
2ይ. እቲ ዝዓበየ በደል ናይ’ቲ ብምንዝርናን ዝሙትን ዚረክስ ብዓል ኪዳን ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ወልድ፡ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚፍጽሞ በደል’ዩ። ክርስቶስ ስጋና ድሕሪ ምልባሱ’ሞ፡ ንሕና ድማ ክርስትያን ኴንና ኣብ ኵሉ’ቲ ብእኡ ዝተሰርዐ ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ምክፋልና፡ ብዘሎ ሰብነትና ኣካል ሰብነቱ’ዩ ዚኸውን።
“እምብኣርከ ንስኻትኩም ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ኣካላቱ ኢኹም።” 1ቈረ 12፡27 ካ.ት
“እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እሞኸ ደኣ ንኣካል ክርስቶስ (ሰብነተይ) ወሲደ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ ይግባእ’ዩ፡ ያኣ ኣይፋለይን፡ “እቶም ክልተ ሓደ ኣካል ኪዀኑ’ዮም።” ከም ዚብል፡ ምስ ኣመንዝራ ዝዘመወ፡ ምስኣ ሓደ ኣካል ከም ዚኸውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ......ካብ ምንዝርና ህደሙ። 1ቈረ 6፡15-18 ካ.ት
እዚ ጥቕስታት’ዚ መግለጺ’ኳ ኽሳዕ ዘየድልዮ ኣዝዩ ብሩህ’ዩ። ስለ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ናይ ዝሙት ሃቐና፡ በዒንቲ፡ ብኣእምሮ ይኹን ብዝዀነ ይኹን ኣካል ሰብነትና ዚፍጸም፡ ነቲ ንጹህን ቅዱስን ሰብነት ክርስቶስ ኣብ ሰብነትካ ኸተርክስ ናይ ምግዳል እኩይን ሰይጣና’ውን ሃቐና’ዩ። ናይ ሓጢኣት ንእሽቶን ዓብይን’ኳ እንተ ዘየልቦ፡ ትዕበይ ትንኣስ ብዘየገድስ እንፍጽሞ ዅሉ ሓጢኣት ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዚፍረደሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣካላት ሰብነቱ ዝዀንና ዘለኣለማዊ ክርስቶስ ንፍጽሞ ስለ ዘለና’ዩ። ንሕና ግን ነቲ ብኣካል ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሰብ’ምበር፡ ነቲ ኣካላት ሰብነቱ ዝገበረና ጐይታ ስለ ዘይንርእይ፡ ኣብ ምብዛሕ ሓጢኣትና እምብዛ ንተግህን ንውሕልልን ኣለና። እዚ መንፈሳዊ ዑረት’ዚ ድማ ነዚ ምድራዊ ናብራና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢናን ተስፋናን’ውን፡ ሓለፋ ሲኦል የጸልምቶ ኣሎ።
ናይ’ዚ ዜርዕድ ሳዕቤን’ዚ ፍታሕ ደኣ እንታይ’ዩ፧ ነዚ ሕቶ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና’ዩ ብብቕዓት ዚምልሶ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ ብዛዕባ መዋስብቱ፡ ብዛዕባ ጐይታ ዀነ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ኻልእ ሰብ ብቕድስና ዚሓልይ ሰብ፡ ንሱ’ዩ ኻብ ዓብዪ ኣበሳን ካብ’ቲ መሪር ሳዕቤናቱን ንርእሱ ዜድሕን። ብቕድስና ምሕሳብን ምሕላይን፡ ካብ’ቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ናብ ርኽሰት ዚዕድምን ዜስድዕን ፈተናታት ከም ቀጽሪ ሓዊ ዀይኑ’ዩ ዚሕልወካ። ናይ ቅድስና ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ዘይገዝእ እንተ ዀይኑ ግን ዋላ ዅነታት ስለ ዘይፈቐዱልካ ብኣካል ናብ ዝሙት እንተ ዘይኣተኻ’ኳ፡ ነቲ ናይ ፍትወት ስምዒታትካ ንምእንጋድ ኣብ ዝሙት ናይ ኣዒንቲ ኢኻ ትጽመድ። ፍትወት ኣብ ዜለዓዕሉ ክፍልታት ሰብነት ኣዒንትኻ ትተክል። ነዚ ዘመን-ኣምጽኦ ግዕዙይ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ፡ ኣብ ባሕሪ ፍትወትን ርኽሰትን ጥሒልካ ትውዕል ትሓድር። እቲ ቕዱስ ጴጥሮስ፦
“ዝሙት ዝመልኣ፡ ካብ ሓጢኣት ዘየቋርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም።...... ደቂ መርገም’ዮም፡ ......ንኣታቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተኣኪቡሎም ኣሎ።” ዝበሎ ቓል ድማ ኣባኻ ይፍጸም ማለት’ዩ (2ጴጥ 2፡14,17)። እቲ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ኣብ ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋን ተቐሚጡ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ዚፈርድ ጐይታ ድማ፦
“ነቶም ቀዳሞት፡ “ኣይትዘምው” ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም ኣለኹም፡ ኣነ ግና፡ <እቲ ንሰበይቲ (ምእንቲ) ኺብህጋ (ኢሉ) ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ> እብለኩም ኣለኹ።” ብምባል ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ (ማቴ 5፡27,28)። ካብ’ዚ ርእሰ ቕትለታዊ ሓጢኣት’ዚ ዜድሕነና፡ ብቕድስና ምሕሳብን ምሕላይን ጥራሕ’ዩ። ናይ ቅድስና ኣርእስቲ፡ ኪስበኽ ምስ ሰማዕናዮ ወይ ብጽሑፍ ምስ ኣንበብናዮ ጥራሕ ትዝ ዚብለና እንተ ዀይኑ ግን፡ ንጊዜኡ ስክፍታ ኻብ ምፍጣር ዚሓልፍ ካልእ ነባሪ ውጽኢት ኣይህልዎን’ዩ። ካብ ምንዝርና ምእንቲ ኽትርሕቕ ምስጢረ ተክሊል ተሰሪዑልካ፡ ንስኻ’ውን ተሓጕስካን ፈቲኻን ፈጺምካዮ ኸተብቅዕ፡ ድሕሪ መውስቦ’ውን ካብ ምንዝርናዊ ሓሳባትን ተግባራትን ዘይትፍለይ እንተ ዄንካ፡ ቀንዲ ውግእካ ምስ እግዚአብሔር’ዩ ዚኸውን። ነቲ ቕዱስ ስምን ሰብነትን ናይ ክርስቶስ ከተርክስ ውራይካን ጕዳይካን ጌርካ ተዓጢቕካ ትተግሃሉ ኣለኻ ማለት’ዩ።
ረብሓ ቕድስና እንተ ዘየብሃገና’ኳ፡ እንተ ወሓደ መስጣን ፍዳን ናይ ምንዝርናዊ ርኽሰት ኣፍሪሁና ግን፡ ናብ’ቲ ቕኑዕ ምርጫ ኺደፍኣና’ዩ ዚግባእ። ኣብ’ቲ መበገሲ ናይ’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ዝዀነ ናይ 1ተሰ 4፡1-12 ንባብ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።
“ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘሰማዕናልኩምን፡ ናይ’ዚ ዅሉ ነገራት’ዚ ፈዳይ ሕነ ኣምላኽ’ዩ። ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር’ዩ ጸዊዑና። እምበኣር እቲ ነዚ ዘይቅበል፡ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዚህበኩም ኣምላኽ’ምበር ንሰብ ኣይኰነን ምቕባል ዚኣብይ ዘሎ።” 1ተሰ 4፡6-8 ካ.ት
“ፍልጠት ሓቂ ምስ ተቐበልና ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዚቐርብ መስዋእቲ የልቦን። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ፍርድን ነቶም ንኣምላኽ ዚጻረሩ ዚበልዕ ብርቱዕ ሓውን ኢና ብራዕዲ እንጽበይ፡ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ፡ ብቓል ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር’ዩ ብዘይ ምሕረት ዚመውት። ንወዲ ኣምላኽ ዝነዓቐ፡ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ነቲ ጸጋ ዚህብ መንፈስ’ውን (ብግብሩ) ዝጸረፈ ግዳ፡ ክንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧ ከመይ ንሕና ነቲ፡ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ’ዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈድይ’የ” ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ “እግዚአብሔር ንህዝቡ ኺፈርድ’ዩ፡” ዝበለ (ኣምላኽ) ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰካሕክሕ’ዩ።” እብ 10፡26-31 ካ.ት
ስለ’ዚ ኣብ ምንዝርናዊ ርኽሰት ክንጽመድ ከለና፡ እቲ ኣብ ሕቝፍና ዘሎ መጻምድትና ዋላ ሓንቲ ዘይኪፈልጥን፡ ፈጺሙ ዘይኪጥርጥርን ይኽእል’ዩ። እቲ ዝዓበየን ዝኸበደን ጒዳይና ግን ምስ’ቲ ገለ’ኳ ዘይስወሮን ኵሉ ዚርእይን ዚፈልጥን ኣምላኽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ሕነ ናይ’ቲ ኣብ ሰብነትና ዘርከስናዮ ቕድስናኡ፡ ሕነ ናይ’ቲ ዝፈረሰ ምስጢሩን ኪዳኑን፡ ከምኡ’ውን ሕነ ናይ’ቲ ዝተጠልመን ብንጹሁ ዝረኸሰን መጻምድትና በታ መሰክሕ ዝዀነት ኢዱ ንዘለኣለም ኪፈድየና’ዩ። ስለ’ዚ ኸም’ታ ኣመንዝራ ሰበይቲ፡
“ዘይለባም እንተ’ሎ ናብ’ዚ የግልስ፡ . . . ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም’ዩ፡ ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ኸኣ ባህ የብል’ዩ” እናበልና መዋጽኦ ናብ ዘይብሉ መጻወድያ እንኣትው ዓያሱ ኣይንኹን (ምሳ 9፡14-18)።
“ብኽብሪ ምሕላይ” እንታይ ማለት’ዩ፧ ምስ ብቕድስና ምሕላይስከ ብኸመይ’ዩ ዚዛመድ፧ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ከም እንመሃሮ፡ መውስቦ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝመልኦ ቅዱስ ጽምዶዩ። ኣርኣያ ናይ ተክሊል፡ ብዓብዩ ምስጢረ ስላሴን ምስጢረ ስጋዌን’ዩ። ኣብ ሓዳር ይኹን ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘሎና ሓድነትና፡ ልክዕ ነቲ ናይ ስላሴ ሓድነት ኪመስል ከም ዚግባእ ጐይታና ኣብ ዮሃ 17፡11,21-23 ገሊጹልና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ሓድነትን ፍቕርን ናይ መውስቦ፡ በቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያን ዘሎ ሓድነትን ፍቕርን ጥራሕ ኪምሰልን ኪምዘንን ከም ዚግባእ ኣብ ኤፌ 5፡31,32 ካ.ት ገሊጹልና ኣሎ። ካብ’ዚ ዚዓብይ ንሓድነት መውስቦ ዚገልጽ ዝዀነ ኻልእ ኣርኣያ የልቦን። ካብ’ዚ ዚንእስ ኣብነት ጠቒስካ ንሓድነት መውስቦ ኽትገልጽ ምፍታን፡ ንኽብሪ ምስጢረ ተክሊል ምቅላል’ዩ ዚኸውን። ንምስጢረ ስላሴ ፍሉይን ጽኑዕን ሓድነት ዚገብሮ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰለስቲኦም ኣካላት ዘሎ ኣዝዩ ዜስተንክር ሓድሕዳዊ ምክብባር’ዩ (ማቴ 3፡16,17 ፣ ዮሃ 16፡5-15 ፣ ግብ 1፡8)። እቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ናይ ዘሎ ሓድነት ፍሉይ መለለዪ ሕላገት’ውን፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር’ዩ። ክርስቶስ ነታ ስጋኡ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ቅድስትን ክብርትን ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ኺገብራ ኢሉ ርእሱ በጃኣ ኽሳዕ ምሃብ ተወፈየ (ኤፌ 5፡25-27)። ኣብ መወዳእታ ብስልጣን መንግስቱ ናብ’ዛ ዓለም ዚምለስ ድማ፡ ነቲ ዘዳለወላ ሰማያዊ ኽብሪ ምእንቲ ኺህባ’ዩ። ቤተ ክርስትያን ድማ ክርስቶስ ኣብ’ዛ ምድሪ ምእንቲ ኪኸብር ተወፍያ ተገልግል፡ ክሳዕ ሰማእትነት’ውን ዋጋ ትኸፍል።
ሰብ ኪዳን’ውን ነዚ ኣርኣያ’ዚ ብምኽታል ነቲ ጾታዊ መሰላቶም ብዚምልከት ኰነ ብዅሉ ኻልእ ሓባራውን ውልቃውን ጒዳያቶም፡ ልዑል ዝዀነ ሓድሕዳዊ ምክብባር ኪህልዎም ይግባእ። ካልእ ናይ ስርቂ መጻምድቲ ስለ ዘይገበርካ ጥራሕ ንዅሉ’ቲ ኸም ብዓል ኪዳን ንመጻምድትኻ ዚግብኦ ኽብሪ ሂብካ ወዲእካ ማለት ኣይኰነን። መብዛሕትኡ መውስቦኣዊ ሓድነት ብፍትሕ ዚፈርሰሉ ምኽንያት፡ ናይ ሓድሕድና ጾታዊ መሰላት ብኣኽብሮት ዘይንፍጽም ምዃንና’ዩ። ኣብ’ቲ ሓደ ዝዀንናሉን ንሓድነትና ብዝያዳ ኸነጽንዓሉን ዚግብኣና መደቀሲ ኣሚን፡ ፍቕርናን ሓድነትናን ይነቅዕን ይፈርስን ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ፦
“ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግብኣ ይግበረላ፡ ከምኡ’ውን ሰበይቲ ንሰብኣያ (ዚግብኦ) ትግበረሉ። ሰበይቲ ኣብ ሰብነት ሰብኣያ’ምበር ኣብ ገዛእ ሰብነታ ስልጣን የብላን። ከምኡ’ውን ኸኣ ሰብኣይ ኣብ ሰብነት ሰበይቱ’ምበር፡ ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን። ንጸሎት ዚኸውን ጊዜ ኽትረኽቡ ንውሱን እዋን ብስምምዕ ክልቴኹም ዝገበርኩምዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ሓደ ነቲ ሓደ ናይ መውስቦ ግቡኡ ኣይኽልኣዮ፡ . . .”
ኢሉና ኣሎ (1ቈረ 7፡3-5 ካ.ት)። ዋላ ምክልላእ ኣብ ዘይብሉ፡ ፈቲኻን ተሓጕስካን ብጽቡቕ ፍቓድን ብምሉእ ኣኽብሮትን ዘይምሃብ’ውን፡ ነቲ መጻምድትኻ፡ “ካልእ ምንዝርናዊ ኣማራጺታት ሃሰው በል” ዚብል ሰይጣናዊ መልእኽትን ድርኺትን ምሃብ’ዩ ዚኸውን። በዝን ዝኸምዝን ብዝተፈጥረ ነቓዕ፡ እቲ ህንጻ-መውስቦ ምስ ዚፈርስ፡ “ብቅድስናን ብኽብርን ዘይምሕላይ” ከመይ ዝበለ ኸቢድ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ሽዑ’ዩ ዚረኣየና። ኣብ ኵሉ ኻልእ ገጻት ናይ’ቲ ሓዳርና ኵለንተናዊ ምክብባር ዘይብልናስ፡ ኣብ’ታ መደቀሲት ኣሚን ብምክብባር ጥራሕ ከነሕውዮ ኣይከኣልን’ዩ። ኣብ ካልእ ጒዳያት ዘዋረድካዮ መጻምድትኻ፡ ዝባኑ ኺህበካ’ምበር፡ ገጹ ናባኻ ኪመልስ ክትጽበዮ፡ ፍጹም ዘይክዉንነታዊ’ዩ። ስለ’ዚ ኻብ ቈላሕታ ኣዒንትና ጀሚሩ ዅሉ ዘረባና፡ ወስታታትና (Gestures) ንጥፈታትና፡ ኣለባብሳና፡ ንጽህናናን ወዘተ ወጊሑ ኽሳዕ ዚዓርብ ብናይ ቅድስናን ኣኽብሮትን ሓልዮት ዝተማእዘነ ኪኸውን ይግባእ። ካብ’ዚ እንተ ጐደለ ግን፡ ንርእስና ዀነ ንመጻምድትና፡ ንጊዝያዊ ይኹን ንነባሪ፡ ንግብራዊ ይኹን ስምዒታዊ ምንዝርና ዚድርኽን መገዲ ዚጸርግን፡ ዘለኣለማዊ መዘዝ ዘለዎ ዓሻን እኩይን ስጕምቲ’ዩ ዚኸውን።
እቶም ሰብ ኪዳን ዝዀንና ዅልና፡ ብዛዕባ ሓዳርና መዋስብትናን ናይ ብሓቂ ብቕድስናን ብኽብርን ንሓልይ ከም ዘለና ነረጋግጽ። እቶም ናብ መውስቦ ነማዕድው ዘለና ድማ፡ ንሓዳርና ብቕድስናን ብኽብርን ብምሕላይ ናይ ጽድቂ ሓዳር ክንገብሮ ንወስን። ንኣምላኽ ኣብ ሓዳርና ኣኽቢርና ደኣ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ንቀበል’ምበር፡ ብጽድቂ ንዝተሰርዐ ኺዳን መፍረዪ ምንዝርናን ዓመጽን ኣይንግበሮ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
የካቲት 19, 2015 ግዕዝ (26 ለካቲት 2023 ፈ [መበል 25 ሰንበት: ቊ.፴፫/33, 2023]] |
||
ምስባክ መዝ.95(96):5-6 “እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ።አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ።ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።” ወይ ከኣ መዝ.104(105)፡1-2 “ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ።ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ።ሰብሑ ወዘምሩ ሎቱ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ተሰ 4፡1-12 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 1፡13-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 3፡17-29 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 6፡16-24 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ