“ሕጂ ድማ (ኢየሱስ) ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቀበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን ‘ትሰምዕዎን ዘለኹም (መንፈስ ቅዱስ) ንሱ (ኢየሱስ) ኣፍሰሶ።” ግብ 2፡33
ቀሺ ፕሮፈሶር ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ጉዳይ ዕርቂ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሓሙስ 27 ሓምለ 2017 ምስ ሬድዮ ኣሰና ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ
ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ብዛዕባ ጉዳይ ዕርቂ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሰሉስ 28 ሓምለ 2017 ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ VOA Tigrigna ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ
ቀሺ ፕሮፈሶር ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ጉዳይ ዕርቂ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሓሙስ 20 ሓምለ 2017 ምስ ሬድዮ SBS Tigrinya ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ
““ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ 'ጐይታይ፡ “ኣብ’ዚ ወርሓት’ዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ (ኸተቝመላ) ኢኻ፧ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ 'ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን፡' ..... በሎም።” ግብ 1፡6,7
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ነቲ ዕለት 11 ሓምለ 2017 ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉዳይ ዕርቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዘውጽኦ መግለጺ መሠረት ብምግባር፥ ዕለት 13 ሓምለ 2017 “እግዚኣብሔር ምሉእን ሓቀኛን ዕርቂ ይግብሮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፥ ሠናይ ትምኒትና ገሊጽና፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ብቓሎም ንምእመናን ቃለ ቡራኬ ክህቡ፥ ንዝተነብረ ውግዘት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጸሎተ ሥርየት ከልዕልዎን ጸዊዕና።Read more ...
“ናብ’ቲ ዕያግ ርኽሰት ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ ይግረሙ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ይጸርፉኹም ኣለዉ፡ ንሳቶም ነቲ ንህያዋንን ንምውታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ (ክርስቶስ)፡ ጸብጻብ ኪህብዎ’ዮም።” 1ጴጥ 4፡4,5 ካ.ት
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ነቲ ዕለት 11 ሓምለ 2017 ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉዳይ ዕርቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዘውጽኦ መግለጺ መሠረት ብምግባር፥ ዕለት 13 ሓምለ 2017 “እግዚኣብሔር ምሉእን ሓቀኛን ዕርቂ ይግብሮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፥ ሠናይ ትምኒትና ገሊጽና፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ብቓሎም ንምእመናን ቃለ ቡራኬ ክህቡ፥ ንዝተነብረ ውግዘት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጸሎተ ሥርየት ከልዕልዎን ጸዊዕና።
ሰንበት 19 ሚያዝያ 2015: “ክርስቲያን ምዃን” ጥራይ ዝበደሎም 30 ሓበሻ (ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን) ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ብኣረሜናውያን ብዘሰቅቅ ኩነታት ኣገባብ ኣብ ሊብያ ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ንስድራ ቤቶም እግዚኣብሔር ምጽንናዕ ክህብ ነቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ዝዓረፉ ሰማእታት ድማ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም ወትሩ ብጸሎት ክትዝክሮም ክትነብር እያ።
"እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፦ እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐት፡ ኵላትና ብሓንሳእ ከም ቅጽበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና’ምበር፡ ኵላትና ኣይክንመውትን ኢና። ከመይሲ እታ መለኸት ክትንፋሕ’ያ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይበርስ (ሰብነት) ኪትንስኡ’ዮም፡ ንሕና’ውን ክንልወጥ ኢና።" 1ቈረ 15፡51,52 ካ.ት
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።
13 ሓምለ 2017 ዓ.ም.
ብዕለት 11 ሓምለ 2017 ዝወጸ መግለጺ መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ፥ ንዕርቂ፥ ንሰላምን ድኅነትን ቤተ ክርስቲያን ኣንፈት ዝህብ ጽቡቕ ጅማሮ ምዃኑ ብምእማን፥ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ እቲ ጅማሮ፥ ኣዝዩ ከም ዘሕጎሶን ንሓቀኛ ዕርቅን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ከም ዝድግፍን ብመትከል ሓጎሱ ይገልጽ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ