“ኣቱም ኣሕወተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሓምይ፡ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ፡ ነቲ ሕጊ ይሓምዮ፡ ኣብ ሕጊ’ውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና ፈራዲ’ምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን።”ያእ 4፡11
እዚ ዘለናዮ መበል 26 ሰንበት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾም ኰይኑ፡ ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ዘምኵራብ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ’ዩ። ከምኡ ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ኣብ’ቲ ናይ ኣይሁድ ፋሲካ ዚበዓለሉ ቕንያት፡ ጐይታና፡ ከም ኵሉ እስራኤላዊ፡ “ፋሲካ” ኼብዕል ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኸደ’ሞ፡ ናብ’ቲ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ ነቲ ከም ዕዳጋ ጋዕዝዩ ዝጸንሖ ቤት ኣቦኡ ኸም ዘጽረዮ ንምዝካር ዝተሰርዐ ዕለት ስለ ዝዀነ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዝን ነቲ ተግባር ጐይታናን ኽንዝክር ዘድለየሉ ዕላማ ግን ኣሎ። ናይ ሓድሽ ኪዳን ህያዋን ቤት መቕደስ፡ ንሕና ህዝበ ክርስትያን ምዃንና፡ ቅዱስ ወንጌል ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና’ዩ (1ቈረ 3፡16,17 ፣ 1ቈረ 6፡19,20 ፣ 2ቈረ 6፡16 ፣ እብ 3፡6 ፣ 1ጴጥ 2፡4)። ስለ’ዚ መቕደስ ስጋና፡ ከም መቕደስ ኣይሁድ፡ ብሓጢኣት ኣጋዕዚናዮን ኣርኪስናዮን ከይንህልው፡ ርእስና ኽንምርምረሉ ዝተሰርዓልና ዕለትን ሰሙንን’ዩ። ንመቕደስ ስጋና ኣርኪስናዮን ኣማሲንናዮን እንተ ጸኒሕና፡ ምሕረት ብዘይብሉ ቝጥዓ ኺመዓተና ምዃኑ ኽንፈልጥን ከነስተንትንን ዝተሰርዓልና ዝተባረኸ ቅንያት’ዩ።
ካብ’ቶም ነዛ ቕድስቲ ዕለት ተመዲቦምልና ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ መልእኽቲ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ሓደ’ዩ። ኣብ’ዚ ንባብ’ዚ ተጠቒሶም ካብ ዘለዉ ብዙሓትን ኣገደስትን ኣርእስቲ ሓደ ኸኣ፡ እዚ ንሕምየት ዚምልከት ትምህርቲ’ዩ። ንዅላትና፡ ዳርጋ መዓልታዊ ዜጥቅዓና ኣበሳ ብምዃኑ ኸኣ ብዕቱብ ኣስተብህሎ ኽንመሃሮ ዚግብኣና ኣርእስቲ’ዩ። መብዛሕትና፡ እቲ ሓቀኛ መልክዕን ትርጕምን ናይ ሕምየት እንታይ ምዃኑ’ኳ ኸይፈለጥና ኢና እነዘውትሮ። ክፋእ ናይ’ዚ ኣበሳ’ዚ ከም’ቲ ቓል እግዚአብሔር ገይሩ ዚገልጾ እንተ ዚርድኣና፡ በቲ እግዚአብሔር ዚርእየሉ ኣዒንቲ ኽንርእዮ እንተ ንኽእል ግን ኣሽንኳይ ከነዘውትሮ፡ ብዛዕባ ህላውኡ ኽንሓስብን ክንዝክርን’ኳ ኣይምደለናን። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ’ዚ መርዛም ኣበሳ’ዚ ኼንጽሃና ስለ ዝደለየ ኸኣ፡ ሓቀኛ ትርጒም ሕምየት፡ በዚ ቕዱስ ሃዋርያኡ ገይሩ ገለጸልና። ንሕና ንሰብ ክንሓምይ ከለና፡ ነቲ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ ጥራሕ ንሓምይ ዘለና’ዩ ዚመስለና። እግዚአብሔር ግን ንሕጊ ንሓምዮ ኸም ዘለና ሓቢሩና ኣሎ። ንሕጊ ድማ ሓጋጊኡ ኣለዎ’ምበር፡ ባዕሉ ኣይመጻን። ስለ’ዚ ውዒላ ሓዲራ እታ ሕምየት ናብ እግዚአብሔር’ያ እትወድቕ። ነቲ በይኑ ሓጋግን ፈራድን ዝዀነ ኣምላኽ ናብ ምሕማይን ምፍራድን እንተ በጺሕና ድማ ክብደትን መዘዝን ናይ ኣበሳና ማዕረ ኽንደይ ዓብዪ ኸም ዚኸውን ከይተሓልመ ዝተፈትሐ’ዩ።
ሕምየት እንታይ’ዩ፧ ንምንታይ’ዩኸ ሓጢኣት ዚኸውን፧ ሕምየት፡ ምስ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት ኴንካ ብዛዕባ ሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ሓደ ጕጅለ ኽፉእ ምዝራብ ማለት’ዩ። እቲ እንዛረቦ ኽፉእ ዘረባ (ዛዕባ)፡ ብርግጽ ዝተፈጾመ ኽዉን ነገር፡ ወይ’ውን ብሓሶት ዝተማህዘ ፈጠራዊ ነገር ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ፈጠራዊ ሓሶት፡ ናብ ሕምየት ከይበጽሐ’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ ኣስፊሕካ ኽትዛረበሉ’ውን ኣየድልን’ዩ። ሓደ ሰብ ብዘይ ገበሮን ብዘይ ኰኖን፡ ኣልዕል ኣቢላካ “ከም’ዚ’ባ ገበረ፡ ከም’ዚ’ውን ኰነ” ኢልካ ምሕማይ፡ ካብ ሕምየት ሕልፍ ዝበለ ኣጋንንታዊ ድርሰት’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ድርሰታዊ ሕምየት ዜዘውትር ሰብ፡ ጭራሽ ሰይጣናዊ ባህርይ ዝተላበሰ፡ ዝሰይጠነ ሰብ’ዩ። ምኽንያቱ ሰይጣን ባዕሉ ምሂዙን ደሪሱን ከም ዚሕስው፡ ጐይታና፦
“ንስኻትኩም ካብ’ቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩ’ውን ትደልዩ ኣለኹም።......ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ’ውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ’ዩ ዚዛረብ። ንሓሶት’ውን ኣቦኣ’ዩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 8፡44)። ስለ’ዚ እቲ ባዕሉ ኻብ ርእሱ ብዝመሃዞ ሓሶት ገይሩ ንሰባት ብዘይወዓልዎ ዚሓምይ ሰብ፡ ልክዕ ከም’ቲ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝተባህለ; ንሱ’ውን ስጋ ዝለበሰ ድያብሎስ’ዩ (ዮሃ 6፡70)። እዚ ሰብ’ዚ ካብ ድያብሎስ ዝዀነ ሰብ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ትምኒት ኣቦኡን ግብሪ ኣቦኡን ዜዘውትር።
እቲ ኻልኣይ ዓይነት ሕምየት ድማ፡ ኣብ ክዉንን ዝተፈጸመን ተግባር ወይ ባህርይ ተመርኲስካ ዚግበር ዓይነት’ዩ። እቲ ዘረባ ንበይኑ እንተ ተመርሚሩ፡ እንታ ዘይወጾ ሓቂ ዘረባ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ዕላማ ናይ’ቲ ዝርርብ ግን እኩይ’ዩ። ነቲ ሰብ ንምኽፋእ ዝዓለመ’ዩ። ንናይ ሰብ ጽቡቕ ሓሲብካን፡ ብዛዕባ ኽፋኡ ኽትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንጽቡቑ ንሰናዩ እንተ ሓሲብካ፡ ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርዩን ግብሩን ኢኻ እትዛረብ። ብዛዕባ ድኻሙን ጕድለቱን ጽቡቕ ሓሳብ እንተ’ልዩካ ድማ ንእኡ ብቐጥታ ኢኻ እትዛረቦ’ምበር፡ ብዛዕባኡ ንኻልእ ሰብ ኣይትዛረብን ኢኻ። ናይ ሕምየት ክፉእ ነገሩ፡ ነቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ድርኺት፡ ብነጻ ኣእምሮን ብቕንዕናን ኽትምርምር ዘየኽእለካ ምዃኑ’ዩ። ምኽንያቱ ንሕና ዘይንርእዮን ዘይነስተውዕሎን ኣካል ምሳና ኣሎ። ንሱ ኸኣ እቲ ኸሳስ ኣሕዋትን ሓሳውን ዝዀነ ርኹስ መንፈስ፡ ድያብሎስ’ዩ። ከይተረድኣና ንኣምላኽን ንሕግታቱን ንሓምየሉ ስለ ዘለና፡ “እንታይ ግብሩ’የ ዝገበር ዘለኹ” ኢልና ምልስ ኢልና ቓላትናን ድርኺትናን ክንምርምር ኣየኽእለናን’ዩ። ብኣንጻሩ፡ ከም’ቲ ንጉስ ሰለሞን፡ “ዘረባ ሓማዪ ኸም ጥዑም ኵላሶ’ዩ’ሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ።” ዝበሎ፡ መመሊሱ ኸም ዚጥዕመካ’ሞ እናወሰኽካ ኸም ትኸይድ ኪገብረካ’ዩ ዚጋደል (ምሳ 26 ፡22)። ስለ’ዚ እቲ እንዛረቦ ዘለና ዘረባ ብርግጽ ዝተፈጸመን ዝተረጋገጸን ሓቂ ምዃኑ ኣይኰነን ዜገድስ። እቲ ሃቐና ወይ ድርኺት’ዩ (Motive) ብዝያዳ ዜገድስ። ዋላ ኽንዲ ዝደለና ነጸባብቆ ናይ ሕምየት ድርኺት ኵሉ ጊዜ ኽፉእን ሰይጣና’ውን’ዩ። ድያብሎስ ካብ ዚጽውዓሎም ስማት (ወይ ቅጽላት) ሓደ “ከሳስ ኣሕዋትና” ዚብል’ዩ (ራእ 12፡10)። “ኣበይን ናብ መንን’ዩ ዚኸስስ፧” ኢልና ኽንሓትት ድማ ግቡእ’ዩ። ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቈይሙ’ዩ ዚኸስስ (እዮ 1፡6-12፣ ዘካ 3፡1-3)። በቶም ሰዓብቱ ገይሩ ድማ ንሰባት፡ ብፍላይ ንናይ ኣምላኽ ሰባት፡ ኣብ መጋባእያ ሰባት ይኸስስ። እቲ ዝሰፍሐን ዝኸፍአን ንሰባት ኣብ ቅድሚ ሰባት ዚኸስሰሉ መድረኽ ግን፡ ኣብ መጋባእያታት ሕምየት’ዩ። ኣብ መጋባእያታት ሕምየት ነርባዕተ ኣካላት ብሓንሳእ’ዩ ዚወቕዖም።
1ይ. እቲ ንብጻዩ ዜኽፍእ ዘሎ ሓማዪ ሰብ፡ ከይተረድኦ ንኣምላኽን ንሕጉን ከም ዚሓምይ ይገብሮ። ነቲ ሓማዪ ድማ እታ ናቱ “ከሳስ ኣሕዋት” ናይ ምዃን ተልእኾ የጥብቐሉን የሰክሞን።
2ይ. እቲ ንሕምየት ብተመስጦ ዚሰምዕን ዜአንግድን ሰብ ከኣ ነቲ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኴንካ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጥካ ንሰባት ናይ ምፍራድ ናይ ዓመጽ ድራማ ብሓጐስ ተቐቢሉ፡ ብተመስጦ እናሰምዐ፡ እቲ ሕምየት ብብዝሒ ኸም ዚውሕዘሉ ይገብር። “እንታይ ትብል ወደይ!! እምበኣር ከም’ዚ ዓይነት ሰብ’ዩ፧” እናበለ “ወስኽ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ የገድሰኒ’ዩ!! እዚ ድርሰትካ መቂሩኒ’ሎ” ዝዓይነቱን ዝመልእኽቱን ኣሰማምዓ እናተጠቕመ፡ ነቲ መጋባእያ ሕምየት ፉሕፉሕ ኢሉ ኸም ዚመውቕ ይገብሮ። ኣብ’ቲ ሰይጣናዊ ድራማ፡ ናይ ኣምላኽ ገጸ ባህርይ (Character) ሒዝካ ብተመስጦን ብኽእለትን ምውሳእ ከም ዚውለፍን ከም ዜሐጒሶን ይገብሮ።
3ይ. ነቲ ተሓማዪ ሰብ ድማ፡ ስሙ ኣዝዩ ኸም ዚድወን፡ ክብሩ ኸም ዚቐልል፡ ከም ዚነዓቕን ከም ዚጽላእን ይገብሮ። እቲ ዝተዘርበ ሕምየት ዝገበረ ገይሩ ናብ እዝኑ ኸም ዚልሕዅን ከም ዚበጽሕን ብምግባር፡ ከም ዚሓዝን፡ ከም ዚቕየም፡ ከም ዚጸልእ፡ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ዝኸፍአ ሕምየት ከም ዚጽመድ ይገብሮ።
4ይ. ነቲ ቐንዲ ተሓማዪ፡ ንኣምላኽ ከኣ፡ እቲ “ኣይትሕመይ” ዚብል ትእዛዛቱ ተጣሒሱ ኸም ዚጕህይ ይገብሮ። ንበዳሊ ኸም ንጹህ ኪርእይ ስለ ዘይኰነሉ፡ በቲ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ ተደሪኹ ኣብ’ቶም ዚፍቅሮም ከም ዚፈርድ ይገብሮ። ብኽብሩን ኣምላኽነቱን ቀናእ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ በቶም ኣብ ዘይመንበሮም ተቐሚጦም፡ ንኽብሩ ዝደፈሩን ዝሰረቑን ሰባት ከም ዚሓዝንን ከም ዚፈርድን ይገብሮ። እምበኣር፡ ጨንፈርን መዘዝን ናይ ሕምየት ብዙሕን ረቂቕን’ዩ።
ብዛዕባ ናይ ሰብ ድኻምን ጕድለትን ምዝራብ ሕምየት ዘይኰነሉ ኣጋጣሚ ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ነቲ ንሕምየት ዜቃልዖ ተግባሩን ባህርዩን ንምእራም ዝዓለመ ዝርርብ ምስ ዚኸውን’ዩ። ሰባት ካብ ዜሕምዮምን ዜፍርዶምን ባህርያትን ተግባራትን ንኺናገፉ ብኽልተ መገዲ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ “ኣገልግሎት ቃል” ኪኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ “ኣገልግሎት ጸሎት”’ዩ። ብኣገልግሎት ቃል፡ ትምህርቲ፡ ምዕዶ፡ ተግሳጽ፡ ስልጠና ብምሃብ ካብ’ቲ ድኻሞም ከም ዚናገፉ ምግባር ይከኣል’ዩ (2ጢሞ 3፡16,17)። ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ግን ኵሉ ሰብ ዚፍጽሞ ኣይኰነን። እዚ ናይ ምግባር ውህበት፡ ክእለት፡ ስልጣን፡ ተሰማዕነት (መጎስ) ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ ዚገብሮ። ናይ ምኽሪ (ምዕዶ) ህያብ ዘይብሉ ሰብ፡ ኪምዕድ እንተ ፈተነ፡ ኬበላሽው’ምበር ኬቕንዕ ኣይክእልን’ዩ (ሮሜ 12፡7,8)። ስለ’ዚ ብናይ ምምካር ጸጋኡ ዝተመስከረሉ ሕፉር መኻሪ ንዘይኰነ ሰብ ምንጋር፡ ካብ ተራ ሕምየት ዝኸፍአ ውጽኢት’ውን ኪህልዎ ይኽእል’ዩ። እቲ መኻሪ ድማ በዚ ኣገልግሎት’ዚ ኼገልግል ስልጠናን ስልጣንን ዝተዋህቦ ኪኸውን ኣድላዪ’ዩ። ብቤተ ክርስቲያንን ስልጣን ዝተዋህቦ ኣበ-ነፍሲ፡ ንሰባት ናይ ምምካርን ምቕናዕን ግቡእ ስልጠና እንተ ዘይብሉ ብስልጣኑ ጥራሕ ኬቕንዕ ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ንዅሎም ኣገልገልታን ብጽቡቕ ንዝተመስከረሎም ሕፉራት ምእመናናን እቲ ዚግባእ ስልጠናን ስልጣንን ብምሃብ፡ ነቶም ጸገም ዘለዎም ጸገሞም ከም ዚፍታሕ ብምግባር፡ ሕምየት ዜስፋሕፍሓሉ ተኽእሎታት ከተጽብብ ይግባእ’ዩ። ባዕላትና ኸነቕንዖ ዘይንኽእል ጸገማት፡ ነቶም ኪፈትሕዎ ብቕዓትን ሓላፍነትን ዘለዎም ሰባት ምስ እንነግር፡ ከም ሕምየት ኪቝጸረልና ኣይክእልን’ዩ።
እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣገልግሎት ጸሎት’ዩ።
ድኻም ሰብ ብምዕዶን ብትምህርትን ጥራሕ ከተወግዶ ኣጸጋሚ’ዩ። መለኮታዊ ግደ ዘይተሓወሶ ዅሉ ተግባር፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዳርጋ ዅሉ ጊዜ ፍሹል’ዩ። ሰብ ንስጕምቱ ኼስተውዕል ኰነ ኬቕንዕ ዜኽእሎ ዓቕሚ ይጐድሎ’ዩ።
“ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚአብሔር’ዩ ዜቃንዓ። ....ስጕምቲ ሰብ ብእግዚአብሔር’ዩ ዚምራሕ፡ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ’ዩ ንመገዱ ዜስተውዕላ፧” ምሳ 16፡9፣ 20፡24
“ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስ’ውን ስጒምቱ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ እፈልጥ ኣለኹ።” ኤር 10፡23
ጐይታ’ውን፡ “ብጀካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም ኢሉና’ዩ (ዮሃ 15፡5)። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ረድኤት ናይ ኣምላኽ ብጸሎት ናብ ምልማን’ዩ ዚድርኸና። ብውልቅና እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ጸሎት እናገበርና ኸለና፡ ናይ ጸሎት ጸጋ ንዘለዎም’ሞ ዚምልከቶም ሰባት፡ ብጸሎት ኪጋደሉ ኢልካ ምንጋር’ውን ምስ ሕምየት ኪቝጸር ኣይክእልን’ዩ። ነዚ ቕዱስ ናይ ምኽርን ጸሎትን ጸጋ ኸም መጐልበቢ ኽፍኣትካ ተጠቒምካ ናይ ሕምየት ወልፍኻ ምእንጋድ ግን፡ ዝበኣሰ ሓጢኣት ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን። ዚበዝሕ ጊዜ፡ ብጽቡቕ ዕላማ ዝጀመረ ዝርርብ መገዱ ስሒቱ ናብ ዲቕ ዝበለ ሕምየት ዚቕየረሉ ጊዜ ውሑድ ኣይኰነን። እቲ ናይ ኵላትና ጽቡቕ ዘይደልይ፡ ናይ ምስሓትን ምትላልን ወሓለ ዝዀነ ድያብሎስ ምስናይ ኣጋንንቱ ኣብ ዙርያና ብንቕሓት ይነጥፍ ከም ዘሎ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። ስለ’ዚ፡ ነቲ ብጽቡቕን ጻድቕን ዕላማ ዝጀመርናዮ ዝርርብ፡ ኣንፈቱ ለዊጡ ናብ ዘይሓሰብናዮ ኣበሳ ኸየውድቐና፡ ንልሳንናን ንልብናን ብንቕሓት ክንሕልውን፡ ንሓድሕድና ኽንተሓላለውን ይግብኣና። ኣቦታትና፡ “ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ፡ ንሓመድ ዱግሪ የውጽኦ” ኸም ዚብሉ፡ ብሓንቲ ንእሽቶ ሓሳብ ዝጀመረ ዘረባ፡ ኣርእስቱን ትሕዝቶኡን እናተለወጠ ኸይዱ፡ ምስ’ቲ ናይ መጀመርታ ዕላማን ዘረባን ፈጺሙ ዘይቀራረብን ርክብ ዘይብሉን ኣርእስቲ ገጹ ይምዕብል’ዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ “ብኸመይ ኢና ናብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ መጺእና፡ ብምንታይ ኢናኸ ጀሚርናዮ፧” ኢልና መበገሲና ኽሳዕ ዚጠፍኣና፡ ኣብ ናይ ሕምየትን ናይ ከንቱ ዘረባን ጫካ ጠፊእና እንተርፈሉ እዋን ብዙሕ’ዩ። እግዚአብሔር ሃብቲ ኣእምሮ ዓዲሉ ብመልክዑ ዝፈጠሮ ወዲ ሰብ፡ ናብ ከም’ዚ ዝበለ ህውተታ ኣትዩ ኺጠፍእ ከኣ ኣዝዩ ዜሕዝን’ዩ።
ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ብሰፊሕን ብስእላዊ መገድን ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ካብ ኵሉ ኣካላት ሰብነትና ንምቍጽጻራ ኣዝያ እተሸግር ልሳን’ያ። ምስ ዓበይቲ መራኽብን ምስ ሓያላት ኣፍራስን ብምንጽጻር’ውን፡ ግደ ልሳን ኣብ’ቲ ግዙፍ ሰብነትና ኸም ዚግባእ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት ሰብ እንተ’ሎ ግና፡ ንሱ ንዅለንተናኡ ኺገትእ ዚኽእል ብቑዕ ሰብኣይ’ዩ። ......እንሆ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብይ ዱር ዘይተንደድ! ልሳን ሓዊ’ያ፡ (ልሳን) ናይ ክፍኣት ዓለም’ያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ክፍሊ ኣካላት፡ ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ህይወት’ውን እተቃጽል’ያ። ንገዛእ ርእሳ ድማ ብገሃነም እሳት ዝሓረረት’ያ። ......ልሳን ዘይትዓርፍ እክይቲ’ያ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአት’ያ።” ያእ 3፡2,5,6,8 ካ.ት
ከም’ዚኣ ዝበለት ሓደገኛ ኣካል ሒዝካ፡ ብዝመጸልካ ስቕ ኢልካ ኣፍካ ምኽፋት ከቢድ ዕሽነት’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ልሳንና ዓብይ ምልኪ ኺህልወና እንተ ዘይክኢሉ፡ ብኣንጻሩ ልሳንና እትመልከና ሰባት እንተ ዄንና፡ “ሓዊ ገሃነም ገና ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ኸለና ጀሚሩና” ምባል’ዩ ዚቐልል። ሕምየት ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ዜትርፍ፡ ናብ ገሃነም ዜእትው ከቢድ ኣበሳ ምዃኑ ብግልጺ ተነጊሩና’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፦
“ዎ እግዚአብሔር፡ ኣብ ድንኳንካ ዚሓድር መን’ዩ፧ ኣብ ከረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን’ዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን፡ ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን ብልሳኑ ዘይሓምይ፡ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡ ንብጻዩ ዘይጸርፎ . . .።” ብምባል፡ ሓደጋ ሕምየት እንታይ ምዃኑ ኣብሪሁልና’ዩ (መዝ 15፡1-3)። እግዚአብሔር ከኣ ንዅሉ ዝርርባትና ኸም ዚሰምዖን ብዝርዝር ከም ዚፈልጦን ኪስወረና ኣይግባእን። ነብዪ ሚልክያስ ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ገሊጹልና’ዩ ኣሎ፡፡
“ሽዑ እቶም ንእግዚአብሔር ዚፈርሁ ብሓድሕዶም ተዘራረቡ። እግዚአብሔር ከኣ ጽን በለ፡ ስምዐ’ውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሓስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። በታ ኣነ (እግዚአብሔር) ዝገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ’ዮም። ኣነ ኸኣ፡ ከም’ቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፡ ክንሕፎም’የ። ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ’ቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።” ሚል 3፡16-18
ሕምየት፡ ንእግዚአብሔር ናይ ዘይፈርሁ ሰባት ተግባር’ዩ። ናይ ፈራህቲ ኣምላኽ ዝርርብ ክቡር ስለ ዝዀነ፡ እግዚአብሔር ብኣኽብሮት’ዩ ጽን ኢሉ ዝሰምዖም። ገንዘቡን ጥሪቱን ስለ ዝዀኑ ድማ፡ ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ይንሕፎምን የድሕኖምን’ዩ። ጥዑምን ጥዑይን ቃላት እናተዘራረቡ፡ ንፍቓዱ ስለ ዜገልግሉ፡ ከም እሙናት ደቁን ኣገልገልቱን’ዩ ዚርእዮም። ኣብ መንጎ’ቲ ልሳኑ ንኣምላኽ ዘግዝአ ጻድቕን ዘየግዝአ ረሲእን ዘሎ ፍልልይ፡ ኣብ’ታ እግዚአብሔር ግብሩ ዚገብረላ መዓልቲ ፍርዲ ብግልጺ ኺገሃድ’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ’ውን ብዛዕባ’ቲ ኻብ ልሳንና ዚወጽእ ኵሉ ቓላት ነዚ ዚስዕብ መጠንቀቕታ ሂቡና’ዩ።
“ኣነ ግና፡ “ብዘረባኻ ኢኻ እትጸጽቕ፡ ብዘረባኻ’ውን ኢኻ እትዅነን’ሞ፡ ሰባት ንዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ’ዮም።” እብለኩም ኣለኹ።” ማቴ 12፡36,37
ሕምየት ግን ኣዕናዊ ቓል’ምበር፡ ዘይጠቅም ቃል ጥራሕ ኣይኰነን። ነቲ ዘይጠቅም ቃል ጸብጻብ ዚወሃበሉ ፍርዲ ድማ ዚብየነሉ እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ነቲ ኣዕናዊ ቓልከ እንታይ’ዩ ኺብየኖ፧ ንሕና ግን ንሕምየት ከም መማቕርቲ ህይወት፡ ከም ጨው ምሕዝነት፡ ከም መሕለፍ ጊዜ ንወስዶ፡ ሕሉፍ ሓሊፉና ብዘይ ሕምየት ኪንበር ዘይከኣል፡ ንሰብ ከየልዓልካ ፈጺምካ ዝርርብ ኪግበር ከም ዘይከኣል ጌርና ናብ ምድምዳም በጺሕና ኣለና። ከም ሓጢኣት ስለ ዘይንቘጽሮ ድማ፡ ንሰብ ብሕምየት ክንሕይኽ ከለና ናይ ሕልና ወቐሳ ፈጺሙ ኣይስምዓናን፡ ብዛዕባ ሕምየት ክንንሳሕ ከኣ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ኰይኑና ኣሎ። እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ቀቢጹናን ተፈልዩናን ከም ዘሎ ዜምልክት’ዩ። እግዚአብሔር ግና ንሓመይቲ ኺጸባጸቦምን ሕነ ኺፈድዮምን ምዃኑ ብግልጺ ነጊሩና’ዩ። ስለ’ዚ ንዘይነዓቕ ኣበሳ ንዒቕና፡ ብሓዊ ንጻወት ከም ዘለና ንፍለጥ። እቲ ኣብ’ዚ ሒደት ምድራዊ ዓመታትና ዝተፋእናዮ ሓዊ ሕምየት፡ ጽባሕ ንግሆ ናብ ገሃንም ሓሊፉ ኺጽበየና፡ ግርም ገይሩ ኸአንግደናን ምዃኑ ነስተውዕል። ስለ’ዚ ምስ ሰባት ወግዓዊ ይኹን ዘይወግዓዊ ዝርርብ ኽንገብር ከለና፡ ናብ ናይ ዘረባ ዓለም ቅድሚ ምእታውና፡ ሕምየት-ኣልቦ ዝርርብ ኪህልወናን ንሓድሕድና ኽንተሓላለውን ክንሰማማዕ ዝበለጸን ሓጋዝን’ዩ።
ሕምየት፡ ማዕረ ኽንድ’ዚ ኣዕናዊ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጥና ኽንወስዶ ዚግብኣና ቐዳማይ ስጒምቲ፡ ሓቀኛ ንስሓ ምእታው’ዩ። ብዛዕባ እንዝክሮን ዘይንዝክሮን ሕምየትና ንስሓ ኽንኣትው ናይ ግድን’ዩ። ምኽንያቱ ጐይታና፡ “እንተ ዘይተነሳሕኩም ክትጠፍኡ ኢኹም” ኢሉና’ዩ (ሉቃ 13፡3,5፣ ማቴ 11፡20)። ብሰሪ ሕምየትና ዝሻሕከረ፡ ዝተበትኩ፡ ዝዓነዉ ዝምድናታትን ምሕዝነታት፡ ኪዳናትን እንተ’ልዮም፡ ነቶም ብሕምየትና ዝጐዳእናዮም ኣካላት ረኺብና ወግዓዊ ይቕሬታ ኽንሓትት፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ ነቲ ዝተሃስየን ዝተበትከን ዝምድናታት ሓላፍነት ወሲድና ኽንጽግኖ ይግባእ (ምሳ 11፡13፣ 16፡28፣ 25፡23፣ 26፡20)።
ንመጻኢ ድማ ብሕምየት ንዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ብዓብዩ ኸኣ ንኣምላኽ ንዘይምብዳል፡ ዘይዕጸፍ ቃል ክንኣትው ይግባእ። ከም ቅዱስ እዮብ፡ “እስትንፋስይ ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ (ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ)፡ ከናፍረይ ሕሰምን (ሕምየትን) ከቶ ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይ’ውን ሓሶት ኣከተውስእን’ያ” ኢልና ቓል ክንኣትው የድልይ (እዮ 27፡3,4)። ብዓቕሚ ስጋና ኸይተወከልና ድማ እግዚአብሔር ብመንፈሱ ኺረድኣና ብዕቱብን ዘየቋርጽን ጸሎት ክንምሕጻኖ ይግባእ። ነገር ስጋ ዀይኑ፡ ዝኣተናዮ ቓል ኣፍሪስና ናብ ሕምየት እንተ ወደቕና፡ ጊዜ ኸይወስድና ብንስሓ ርእስና ኸነሕውይ ይግብኣና። እግዚአብሔር ፍጥረትና ዚፈልጥ ዓቕምና ዚርዳእ መሓሪ ኣምላኽ’ዩ። ክንሕመይ ከለና ኸም ዚጐድኣና ስለ እንፈልጥ፡ ነቲ “ከም’ቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ግበሩሎም” ዚብል ወርቃዊ ሕጊ፡ መምርሒና ንግበሮ (ማቴ 7፡12)። መዓልቲ መጸ፡ ብሰብ ኣመኽኒና ንኣምላኽን ንሕጉን ከም ዘይሓመናን ከም ዘይፈረድናን ብምርግጋጽ፡ ካብ’ዚ ለካሚ ኣበሳ’ዚ ርእስና ብንጽህና ንሓልው።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
የካቲት 26, 2015 ግዕዝ (5 መጋቢት 2023 ፈ [መበል 26 ሰንበት: ቊ.፴፬/34, 2023]] |
||
ምስባክ መዝ.68(69):9-10 “እስመ ቅንአተ ቤትከ በልዐኒ። ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ። ወቀፃእክዋ በጾም ለነፍስየ።” “ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ’ውን ኣባይ ወዲቑ’ዩ’ሞ፡ ነሕዋተይ ጓና፡ ንውሉድ ኣደይ’ውን ጋሻ ዀንኩ። እናበኸኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።” |
ንባብ |
ኣንባቢ |
ቈሎ 2፡16-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
ያእ 4፡1-12 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 5፡17-30 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 2፡12-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ